ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ...

12
መበል 25 ዓመት ቁ.119 ቀዳም 16 ጥሪ 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 9 ገጽ 2 ገጽ 3 ገጽ 7 ገጽ 5 ሲንጋፖር። ግምቢ ሕርሻታት “እናጸላእክዎስ መመሊሱ ይቐርበኒ” ምሕጽንታ ራሜል ሊቨርፑል - ማን ዩናይትድ ምጅማር መደባት ጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነት እተበስር ሽግ ናጽነት፡ ትማሊ 15 ጥሪ ካብ’ታ ርእሰ-ከተማ ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ ኣብ መለብሶን ሓልሓልን - ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ኣብ ምዂስኳስን ምዝንጋዕን መንእሰያት ዝውዕላ ክልተ ማእከላት ብልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ናቕፋ ይህነጻ’ለዋ። እተን ማእከላት፡ ኣብያተ-ንባብ፡ መሰልጠኒ ኮምፕዩተር፡ ኣገልግሎት ሓልሓል - ክልተ ማእከላት መንእሰያት ይህነጻ ሓርነታዊ ቃልስናን ምልክት ጽንዓትናን ዝኾነት ታሪኻዊት ከተማ ናቕፋ ነቒላ። ነታ ብፍሉይ ጽምብል ዝተበገሰት ሽግ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ’ዩ ወሊዑ ኣበጊስዋ። ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ጽገረዳ ወልደገርጊስ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እታ ሽግ - ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ከም ህዝብን ሃገርን ንትግባረ ሕድሪ ሰማእታትናን መብጸዓናን ክንመዝን እተዘኻኽር ምዃና ኣገንዚባ። ሽግ ናጽነት፡ ሽዱሽቲአን ዞባታት ሃገርና እናተቐባበላላ ናይ ልዕሊ 3 ሽሕ ኪሎ ሜተር ጒዕዞ ድሕሪ ምኻድ፡ 24 ግንቦት ከተማ ኣስመራ ብምእታው፡ ብሃገር ደረጃ ንወግዓዊ ጽምብል ኣብ ዝተዳለወ ቦታ ክትትከል ምዃና ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነት፡ “ርብዒ ዘመን - ኣብ መኸተን ልምዓትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብዝማዕረገ ኣገባብ ንምጽንባሉ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብልዑል ተሳትፎ ዜጋታት ሰፊሕ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ሓቢሩ። ብ14 ጥሪ ንመራኸቢ ብዙሃን ሃገርና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣምባሳደር ዘመደ፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት፡ ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝሰፍሐ ኮይኑ፡ 7 ቀንዲ ዓበይቲ መደባት - ማለት ባህላዊ ምርኢት፡ ሲምፖዝዩም፡ ስፖርታዊ ግጥማት፡ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ካርኒቫል፡ ናብ ቈልዑ ዘተኰረ መሰናድኦታት፡ ከምኡ’ውን ድሮ ዝተበገሰ ጒዕዞ ሽግ ናጽነት ከምዘጠቓልል ኣብሪሁ። (ምሉእ ትሕዝቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣምባሳደር ዘመደ ኣብ ገጽ 2 ረአ) ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ብዝወቕዐ ብርቱዕ ዝናብ ንእተጐድኡ 69 ስድራ- ቤታት ዓይነታዊ ሓገዝ ሂቡ። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ጃብር እድሪስ፡ እቲ ሓገዝ - ቴንዳታት፡ ናውቲ-ክሽነን መኣዛዊ መግብታትን ከምዘጠቓልል፡ ግዳያት ንምርዳእ ዝቘመት ኮሚተ ብዘጽንዓቶ መሰረት ከምእተዓደለን ገሊጹ። ሓገዝ ዝተገብረሎም ዜጋታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ኣብ ህይወት ሰብ፡ ኣባይትን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ከቢድ’ኳ እንተኾነ፡ ሳላ ሓልዮት ህዝቦምን መንግስቶምን ሓድሽ ህይወት ክጅምሩ ከምዝበቕዑ ገሊጾም። ንሳቶም ወሲኾም፡ ኣብ መጻኢ ክስዕብ ካብ ዝኽእል ተመሳሳሊ ባህሪያዊ ሓደጋታት ንምድሓን፡ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ውሑስ ቦታ ዝሰፍሩሉ ኩነታት ከጣጥሓሎም ተላብዮም። ኣብ ጊንዳዕ፡ ካብ 18 ክሳብ 25 ታሕሳስ 2015 ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ 4 ሰባት ገዛ ፈሪስዎም ከምዝሞቱ፣ 13 ሰባት ብኸቢድ ከምዝቖሰሉ፣ 52 ስድራ- ቤታት ድማ ኣባይቶም ከምዝፈረሰ ይፍለጥ። ብዝናብ ዝተጐድኡ ስድራ-ቤታት ተሓጊዞም ወለንታዊ መርመራ ደም፡ ኣብያተ- ጽሕፈት፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ መዘናግዒታት ዘጠቓለላ ኮይነን፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ዝተረፈ ትሕተ-ቅርጺ ክማልኣለን ምዃኑ ተፈሊጡ። ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል ርብዒ ዘመን - ኣብ መኸተን ልምዓትን! ስ/ዮሱፍ እድሪሳይ

Upload: others

Post on 27-Feb-2021

7 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

መበል 25 ዓመት ቁ.119 ቀዳም 16 ጥሪ 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 9ገጽ 2 ገጽ 3 ገጽ 7ገጽ 5

ሲንጋፖር። ግምቢ ሕርሻታት

“እናጸላእክዎስ መመሊሱ ይቐርበኒ”

ምሕጽንታ ራሜል

ሊቨርፑል - ማን ዩናይትድ

ምጅማር መደባት ጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነት እተበስር ሽግ ናጽነት፡ ትማሊ 15 ጥሪ ካብ’ታ ርእሰ-ከተማ

ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ

ኣብ መለብሶን ሓልሓልን - ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ኣብ ምዂስኳስን ምዝንጋዕን መንእሰያት ዝውዕላ ክልተ ማእከላት ብልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ናቕፋ ይህነጻ’ለዋ።እተን ማእከላት፡ ኣብያተ-ንባብ፡

መሰልጠኒ ኮምፕዩተር፡ ኣገልግሎት

ሓልሓል - ክልተ ማእከላት መንእሰያት ይህነጻ

ሓርነታዊ ቃልስናን ምልክት ጽንዓትናን ዝኾነት ታሪኻዊት ከተማ ናቕፋ ነቒላ።

ነታ ብፍሉይ ጽምብል ዝተበገሰት ሽግ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡

ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ

ካሪካረ’ዩ ወሊዑ ኣበጊስዋ።ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ

ባሕሪ ወይዘሮ ጽገረዳ ወልደገርጊስ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እታ ሽግ - ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ከም ህዝብን ሃገርን ንትግባረ ሕድሪ ሰማእታትናን መብጸዓናን ክንመዝን እተዘኻኽር ምዃና ኣገንዚባ።ሽግ ናጽነት፡ ሽዱሽቲአን ዞባታት

ሃገርና እናተቐባበላላ ናይ ልዕሊ 3 ሽሕ ኪሎ ሜተር ጒዕዞ ድሕሪ ምኻድ፡ 24 ግንቦት ከተማ ኣስመራ ብምእታው፡ ብሃገር ደረጃ ንወግዓዊ ጽምብል ኣብ ዝተዳለወ ቦታ ክትትከል ምዃና ተፈሊጡ’ሎ።እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ብሩራዊ

እዮቤልዩ ናጽነት፡ “ርብዒ ዘመን - ኣብ መኸተን ልምዓትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብዝማዕረገ ኣገባብ ንምጽንባሉ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብልዑል ተሳትፎ ዜጋታት ሰፊሕ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ሓቢሩ።ብ14 ጥሪ ንመራኸቢ ብዙሃን ሃገርና

ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣምባሳደር ዘመደ፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት፡ ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝሰፍሐ ኮይኑ፡ 7 ቀንዲ ዓበይቲ መደባት - ማለት ባህላዊ ምርኢት፡ ሲምፖዝዩም፡ ስፖርታዊ ግጥማት፡ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ካርኒቫል፡ ናብ ቈልዑ ዘተኰረ መሰናድኦታት፡ ከምኡ’ውን ድሮ ዝተበገሰ ጒዕዞ ሽግ ናጽነት ከምዘጠቓልል ኣብሪሁ። (ምሉእ ትሕዝቶ ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣምባሳደር ዘመደ ኣብ ገጽ 2 ረአ)

ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ብዝወቕዐ ብርቱዕ ዝናብ ንእተጐድኡ 69 ስድራ-ቤታት ዓይነታዊ ሓገዝ ሂቡ።ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ

ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ጃብር እድሪስ፡ እቲ ሓገዝ - ቴንዳታት፡ ናውቲ-ክሽነን መኣዛዊ መግብታትን ከምዘጠቓልል፡ ግዳያት

ንምርዳእ ዝቘመት ኮሚተ ብዘጽንዓቶ መሰረት ከምእተዓደለን ገሊጹ።ሓገዝ ዝተገብረሎም ዜጋታት ኣብ

ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ኣብ ህይወት ሰብ፡ ኣባይትን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ከቢድ’ኳ እንተኾነ፡ ሳላ ሓልዮት ህዝቦምን መንግስቶምን ሓድሽ ህይወት ክጅምሩ ከምዝበቕዑ ገሊጾም።ንሳቶም ወሲኾም፡ ኣብ መጻኢ

ክስዕብ ካብ ዝኽእል ተመሳሳሊ ባህሪያዊ ሓደጋታት ንምድሓን፡ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ውሑስ ቦታ ዝሰፍሩሉ ኩነታት ከጣጥሓሎም ተላብዮም።ኣብ ጊንዳዕ፡ ካብ 18 ክሳብ 25

ታሕሳስ 2015 ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ 4 ሰባት ገዛ ፈሪስዎም ከምዝሞቱ፣ 13 ሰባት ብኸቢድ ከምዝቖሰሉ፣ 52 ስድራ-ቤታት ድማ ኣባይቶም ከምዝፈረሰ ይፍለጥ።

ብዝናብ ዝተጐድኡ ስድራ-ቤታት ተሓጊዞም

ወለንታዊ መርመራ ደም፡ ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ መዘናግዒታት ዘጠቓለላ ኮይነን፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ዝተረፈ ትሕተ-ቅርጺ ክማልኣለን ምዃኑ ተፈሊጡ።

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ርብዒ ዘመን - ኣብ መኸተን ልምዓትን!

ስ/ዮሱፍ እድሪሳይ

Page 2: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፋሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ዋና/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ሽግ ናጽነት ካብታ መዲና ብረታዊ ቃልስና ዝኾነት ከተማ ናቕፋ ተበጊሳ ኣላ። ትርጉም ናይዛ ሽግ እንታይ እዩ? ምስ መበል 25 ዓመት በዓል ናጽነትከ ብኸመይ ትተኣሳሰር?

ብሩራዊ እዮቤልዩ መበል 25 በዓል ናጽነት ካብ ኩሉ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝበለጸ፡ ናይ ርብዒ ዘመን እኩብ ከንጸባርቕ ብዝኽእል መንገዲ ክበዓል’ዩ ዝስርሓሉ ዘሎ። እዚ ከኣ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መዳያት ዘለዎ ኮይኑ፡ ብጽሑፍ፡ ስእሊ፡ ድራማን ካልእን ዝቐርብ እዩ። ኣብዚ ክሳብ ሸውዓተ ዝበጽሕ ዓበይቲ መደባት ኣሎ። ሽግ እዮቤልዩ ሓደ ካብኡ እዩ። ነቲ መደባት ሓደ ብሓደ እንተደኣ ርኢናዮ፡ እቲ ቅድሚት ተሰሪዑ ዘሎ ባህላዊ ምርኢት እዩ። እዚ መደብ’ዚ

ብዙሓት ኣካላት ዝሓቖፈን ኮሚቴታትን ንኡሳን ኮሚቴታትን ዘለዉዎን ኮይኑ፡ ኩሉ ስነ-ጥበባዊ ክፍልታት ዘማልአ እዩ። ድራማታት፡ ኮንሰርት፡ ናይ ጎደና ምርኢታት፡ ስነ-ጽሑፋዊ ስርሓት ወዘተ.

. . ዘጣመረ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጀመረ ምድላዋት ክግበር ጸኒሑ ኣሎ፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከኣ ተበጺሑ ኣሎ። ስለዚ፡ ዋላ’ኳ እቲ ልሙድ ንጥፈታት እንተኾነ፡ ብዝሓየለን ብዝደመቐን መልክዑ ንምቕራብ እዩ ዝፍተን ዘሎ።እቲ ካልኣይ ወተሃደራዊ ሰልፊ እዩ።

እዚ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን፡ ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝነበረ እዩ። እንተኾነ፡ ብሓሙሽተ ሽዱሽተ ብሎካት ጥራይ እዩ ዝግበር ነይሩ። ሎምዘበን ግን ብዝሓየለ

ኣወዳድባ፡ ብዝበዝሐ ቁጽርን ብዝበለጸ ኣገባብን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሰፍሐ ቦታ እዩ ክቐርብ።እቲ ሳልሳይ ካርኒቫል እዩ። እዚ እውን

ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝሓቖፈ እዩ። ብስነ-ጥባባዊ ስርሓት ዝተቓመመ ሰልፊ ናይ ተጋደልቲ ኣሎ። ንኩለን ብሄራትና ዘጠቓለለ ባህላዊ ሰልፊ’ውን ኣሎ። ሰልፊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብፍሉይ ተዳልዩ ኣሎ። ንነፍሲ-ወከፍ ዙርያ ብዘንጸባርቕ መልክዑ ንምቕራብ ድማ’ዩ ምድላዋት ዝግበር ዘሎ። ንዳግመ-ህንጻዊ ስርሓት ዝምልከት ምርኢት ብመልክዕ ሰልፊ

ክቐርብ እዩ። ሰልፊ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ እውን ክህሉ እዩ። እዚ

ርብዒ ዘመን - ኣብ መኸተን ልምዓትን!ክቡራት ኣንበብቲ፡ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ፡ “ርብዒ ዘመን - ኣብ

መኸተን ልምዓትን!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ረዚን ቴማ ብዝደመቐን ዝማዕረገን ኣገባብ ንምብዓል ብደረጃ ሃገር ዝተፈላለየ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ንዝርዝራት ናይዚ ምድላዋት’ዚ ኣመልኪቱ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ብ14 ጥሪ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ናይ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ጽሟቕ ትሕዝቶ እንሆ፦

እታ ኣብ መለብሶ እትህነጽ ዘላ ማእከል 50 ሚእታዊት ካብ ህንጻኣ ከምእተሰላሰለ፡ ኣብ ሓልሓል እትርከብ ድማ ብጽቡቕ ትስጒም ከምዘላ፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ሓሰን ኣሕመድ ሓቢሩ።እቲ መስርሕ፡ ብልዑል ተሳትፎን

ውህደትን ህዝቢ፡ ሽማግለ ኣዕሩኽ

ንተራ ደቀንስትዮ ኣብ ቃልሲን ኣብ ህንጸት ሃገርን ብዝገልጽ መንገዲ ብስነ-ጥበባዊ ኣገባብ ክቐርብ እዩ። ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ከኣ ብወከልቶም ኣቢሎም ኣካል ናይቲ ካርኒቫል ክኾኑ እዮም። ብራብዓይ ደረጃ መደብ ቆልዑ

ክህልወና እዩ። ኣብዚ ካብ ምዝንጋዕን ምጽዋትን ክሳብ ቁም-ነገር ምስናቕ ዝኸይድ ሰፋሕቲ መደባት ተሰሪዑ ኣሎ።ካልእ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ መደብ፡

ሲምፖዝዮም እዩ። ኣብዚ መደብ’ዚ፡ ናይ 25 ዓመታት ኩለንተናዊ ስርሓት በብዝምልከተን ሚኒስትሪታትን ካልኦት ኣሃዱታትን ከምዝቐርብ ንምግባር ጽዑቕ ምድላዋት ይካየድ ኣሎ። እዚ ካብ ድሮ’ቲ በዓል ጀሚሩ፡ እቲ በዓል ምስሓለፈ እውን ክቕጽል እዩ።ስፖርታዊ ንጥፈታት እውን ሓደ

ካብቶም ዓበይቲ መደባት እዩ። ኣብ ምሉእ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ብፌደረሽናት ዝተጠርነፈን ዘይተጠርነፈን ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ካብ ንኡስ ዞባ ጀሚሩ ንላዕሊ ዝኸይድ መደባት ድሮ ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ ናጽነት ዋንጫ ንምጭባጥ ብዝካየድ ውድድራት ክዛዘም እዩ ማለት’ዩ።እቲ ሻብዓይ መደብ ጉዕዞ ሽግ ናጽነት

እዩ። ሽግ ክበሃል ከሎ ኩሉ ግዜ ምስ ናጽነት እዩ ዝተሓሓዝ። ሽግ ኣብ ቃልስና ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣብዚ ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባትና ክኸውን መሪጽና። ከም መጀመሪ ናይቲ መደባት ድማ ወሲድናዮ። እታ ሽግ ትማሊ 15 ጥሪ ካብ ናቕፋ ተበጊሳ ኣላ። ንኩለን ዞባታት እናተንከፈት ከኣ፡ 24 ግንቦት ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ጽምብል ዝግበረሉ ቦታ

ንዝተተኽለ ዓቢ ሽግ ክትውልዕ እያ።ክቡር ኣምባሳደር፡ ኣብ ውሽጢ

ሃገር ዘሎ ህዝቢ፡ ነቲ በዓል ንምድማቕ ተሳትፎኡ ክሳብ ክንደይ እዩ ክኸውን? ኣብ ኩሉ ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን

ተዓጣቕን ተሳታፍን ናይቲ በዓል ብዓቢኡ ህዝቢ እዩ። ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝግበር መደባት ከኣ፡ ብፍላይ ህዝቢ ናይዚ ከተማ፡ ኣብ ከተማኡ ይግበር ስለዘሎ፡ ዝያዳ ተሳታፍነት ክህልዎ እዩ። ብፍላይ ከኣ፡ ኮማዊ ዳሳት ብፍሉይ ኣገባብ ክዳሎ ስለዝኾነ፡ ኣብኡ ዝህሉ ናይ ህዝቢ ተሳታፍነት ኣዝዩ ልዑል ክኸውን እዩ። ስለዚ፡ ህዝቢ ብዓቢኡ ዋና ናይቲ ውራይ ስለዝኾነ፡ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን።ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብናኸ ነዚ

ዓቢ በዓል ብኸመይ ክጽምብሎ ይዳሎ ኣሎ?እቲ ልሙድ ኣብ በቦትኡ ዝገብሮ

መደባት ኣሎ። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን በብዝጥዕሞም ነቲ በዓል ብድምቀት ንምጽምባል ዝተፈላለየ ምድላዋት ይገብሩ ኣለዉ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝግበር ጽምብል ተሳትፎ ክህልዎም ስለዘለዎ፡ ከምቲ ልዕል ኢለ ዝጠቐስክዎ፡ በብወከልቶም ኣቢሎም ክሳተፉ እዮም። እዞም ወከልቲ 300 – 400 ዝበጽሑ እዮም። ነቲ በዓል ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምጽምባል ካብ ደገ ዝመጹ ኣሽሓት ዜጋታት ግን ክህልዉ እዮም። ነዚኣቶም በበቲ ዝነብርሉ ዞባታት ናይ ዓለም ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ዳሳት ክዳለወሎም እዩ። ንዳሳቶም ዘማዕርጉን ዘማሓድሩን ድማ ባዕላቶም ክኾኑ እዮም። የቐንየልና ኣምባሳደር።

ሓልሓል - ክልተ ማእከላት...ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

መንእሰያት፡ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር፡ ምምሕዳርን ሃማመተኤን’ዩ ዝካየድ ዘሎ።ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ሸሞንተ

ምምሕዳራት ከባቢ እትጥርንፍ፡ ሓንቲ ካብ 11 ንኡስ ዞባታት ዓንሰባ ኮይና፡ ኣስታት 7 ሽሕ ስድራ-ቤታት ይነብርኣ።ብኻልእ ወገን፡ ሃማመተኤ ጨንፈር

ንኡስ ዞባ ከረን፡ ኣብ ምልጋስ ደም፡ ምውርራስ ተመኲሮ፡ ምስራጽ ባህሊ ንባብ፡ ሞያዊ ስልጠናታት፡ ባህላውን ስፖርታውን መደባት፡ ኣብ ምሕያል ውዳቤታት መንእሰያትን ካልእን ኣተኲሩ ዘካየዶ ንጥፈታት እወታዊ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ብ9 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ገሊጹ።

የማነ ሃይለ

ስ/ሄርሞን መኮነን

Page 3: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 3

ኤርምያስ ሰሎሞን

ፓስታ ምስ ዓይኒ ዓተርን እንቋቝሖን

ህዝባ ልዕሊ 5 ሚልዮን’ዩ፤ መሬታ ግና 715 ትብዒት ኪሎ ሜተር ጥራይ...! ኣዝያ ንእሽቶ ሃገር ብምዃና። ዝዀነ ነገር ንላዕሊ እምበር ንጐድኒ ከስፋሕፍሕ ኣይክእልን እዩ፣ ብመንጽር ስፍሓታ። ክቱር ብዝሒ ህዝቢ ስለ ዘሎዋ። ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ጥራይ’ዮም ዝህነጹ - ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር፣

ኣብዚ እዋን’ዚ። ሲንጋፖር ህንጻታታ ጥራይ ዘይኰነ። ነቲ ብዙሕ ህዝባ ንምቕላብ። ሕርሻኣ እውን እንተዀነ። ካብ መሬት ንትኹል ንላዕሊ ክተስፋሕፍሖ ጀሚራ ኣላ፣ ኣብ ናሕሲ ገዛውትን ብመደብ ንሕርሻ ተባሂሎም ኣብ ዝተሃንጹ ግምብታትን ኣሕምልትን ፍረታትን ክተፍሪ ጀሚራ ኣላ፣

ዛጊት ኣብ ውሽጢ’ታ ሃገር ዝበቝሉ ፍርያት ሕርሻ። ንሸውዓተ ሚእታዊት ካብ ጠለብ ህዝባ ጥራይ’ዮም ዝሽፍኑ፣ እታ ሃገር መዓልታዊ ኣሕምልትን ፍረታትን ካብ ጐረባብታ ዝዀና ሃገራት ከም።- ማሌዥያ። ታይላንድን ፊሊፕንስን ተእቱ፣ እዚ ስለ ዘይኣኽላ’ውን። ኣብ ርሑቕ ዝርከባ ሃገራት። ከም ኣውስትራልያ። ኒውዚላንድን ቺለን ካብተን መናግድታ ዝዀና ሃገራት’የን፣

ኣብ ርእሲ’ቲ ብዝሒ ህዝባ። ማእለያ ዘይብሎም ስደተኛታት’ውን ናብታ ሃገር ስለ ዝኣተዉ። በብግዚኡ ሰማይ-ጠቀስ ህንጻታት ምስራሕ ኣየቋረጸትን፣ በዚ ድማ እቲ

ዝርካቡ መሬት ሕርሻ ናብ መሬት ህንጻ ይቕየር ኣሎ፣ እሞ ሓረስታይ ሲንጋፖር ኣበይ ይሕረስ?

ፍታሕ ናይዚ ግድል። ብህዝባውን

ብሕታውን ሽርክነት ዝካየድ። “ኣብ ዓለም ቦኽሪ። ብትሑት መጠን ካርቦን ዝካየድ። ብማይ ጥራይ ዝሰርሕ። ተንቀሳቓስን ትኹልን ሕርሻ” ዝተሰምየ ናይ ምዉቕ ቦታ ኣሕምልቲ ኣብ ከተማታት ምፍራይ ኰነ፣ እዚ ምስ ኣከባቢ ዘይጻባእ ዓይነት ሕርሻ። ኣብ ከተማታት ንምክያዱ ዘተባባዕ ስምምዕ ኣብ ሞንጎ ትካላት ሕርሻ እታ ሃገርን ‘ስካይ ግሪንስ’ ዝተባህለ ዘቤታዊ ትካልን ስምምዕ ተበጽሐ፣

ሲንጋፖር። ኣስታት 240 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ጃምላ ዘቤታዊ ፍርያት ዘሎዋ ሃብታም ሃገር’ያ፣ “ገንዘብ ሃልዩካ መግቢ እንተ ዘየሎ ትርጕም የብሉን” ይብል። ዳይረክተር ትካል ስካይ ግሪንስ ጃክ ኤን ጂ። “ከምኡ ስለ ዝዀነ እየ ድማ ናይ ምህንድስና ክእለተይ። ንሓረስቶት ሲንጋፖር እኹል መግቢ ንኸፍርዩ ኣብ ምሕጋዝ ክጥቀመሉ ዝደለኹ” ይብል፣

ኢንጂነር ኤን ጂ ነቲ ትኹላዊ ሕርሻ። ክሳዕ ትሽዓተ ሜትሮ ብዝቝመቶም ናይ ኣሉሚንዩም ደርብታት ወይ ግምብታት እዩ ኣዳልዪዎ፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ

ብገምጋም ኣስታት 38 መትሓዚ ኣሕምልቲ ዝሓቘፉ ደረጃታት ኣሎዎም፣ ነቶም ግምብታት ከም ምንጪ ጸዓት ኰይኑ ኣብ ምዛር ዝሕግዝ ማይ። እንደገና ተመሊሱ ነቶም ኣሕምልቲ ንምስታይ እዩ ዘገልግል፣ ነፍሲ ወከፍ ግምቢ። ኣብ መዓልቲ ናይ 60 ዋት ጸዓት (ክንዲ ሓንቲ ኣምፑል) ጥራይ ይጥቀም፣

ኢንጂነር ኤን ጂ። ነዚ ፍሉይ መስርሕ ሕርሻ ከተኣታትዎ ኸሎ። ኣብ ግምት ዘእተዎ ነገር እንተ ነይሩ። እቲ ሕርሻ ክቡርን ዝተሓላለኸን ከይከውን እዩ፣ ኣብ ርእሲ’ዚ። ኢንጂነር ኤን ጂ ነዚ ፕሮጀክት። ጥሮታ ብዝወጹን ኣብ ቤቶም ተሓጺሮም ንኣሽቱ ሕርሻታት ብዘካይዱን ሰባት ከም ዝካየድ ገይሩ እዩ ነዲፉዎ፣ “ንስኻትኩም ዘይኰንኩም ናብቲ ኣታኽልቲ ክትከዱ። ኣታኽልቲ እዮም ናብ ቤትኩም ዝመጽእኹም ዘለዉ” ድማ ኢሉዎም፣

እዚ ብዙሕ ቀጸላታት ዘሎዎ ናይ ኣሕምልቲ ግንቢ። ቀስ ኢሉ እዩ ዝዘውር፣ ሓደ ምሉእ ዓንኬል ንኽዘውር ድማ ኣስታት ሸሞንተ ሰዓታት ይወስደሉ፣ ሓንቲ ተኽሊ ግደኣ ኣኺሉ ብዙረት ኣብ ጫፍ እቲ ግምቢ ምስ በጽሐት። እኹል ጸሓይ ትረክብ፣ ናብ ታሕቲ ምስ ተመልሰት ድማ ዘድልያ ማይ ካብቲ ዝተገጣጠመ ስርዓት። ማለት ካብቲ ነቲ ግምቢ ከም ምንጪ ዀይኑ ዘዝውር ማይ ትቕበል፣ እዚ ዕጹው ስርዓት። ንኽተመሓድሮ ቀሊል ኰይኑ። ዝዀነ ትኪ ድማ ኣየውጽእን፣

ኢንጂነር ኤን ጂ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ። “ከምዚኦም ዓይነት ግምብታት። ኣብ ላዕለዋይ ናሕሲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ደቂ ሲንጋፖር ዝነብሩሉ ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት እንተ ዝትከል ነይሩ። ንኣንስቲ ሓዳርን ጡረታ ዝወጽኡን ምንጪ ስራሕ ምዀኑ፣ ምኽንያቱ። ነዚ ዓይነት ሕርሻ ንኸመሓድሩ ንቑሩብ ሰዓታት ጥራይ’ዮም ናብ ላዕሊ ደዪቦም ነቲ ስርዓት ከመሓድሩዎ፣

ዛጊት ግምብታት ትካል "ስካይ ግሪንስ"። ሰለስተ ዓይነት ኣሕምልቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 28 መዓልትታት ክሓፍሱ ጀሚሮም ኣለዉ፣

ካብዚ ትካል ኣሕምልቲ ዝቕረበሎም ድኳናት ከም ዝሓበሩዎ። “እቶም ኣሕምልቲ ብሓደስቶም ኢና ንረኽቦም ዘለና፣ ስለዚ ዝሓሸ ብቕዓት ኣሎዎም፣ እቶም ካልኦት ግና ካብ ካልእ ሃገር ስለ እነእትዎም ብሓደስቶም ኣይመጽኡን እዮም” ይብሉ፣

እተን ሲንጋፖር ከም ምንጪ መግቢ እትጥቀመለን ሃገራት። ምናልባት ምስዚ ዘሎ ተለዋዋጢ

ሲንጋፖር። ግንቢ ሕርሻታት

ሕርሻን መግብን

ቴክኖሎ

ሕርሻ

ክሊማ ብኸቢድ እንተ ተጸልየን። ነታ ሃገር ዓቢ ሓደጋ ምዃኑ ብዙሓት ተመራመርቲ እታ ሃገር ይሰማምዑ፣ በዚ ድማ እታ ሃገር ዝዀነ ሜላ ተጠቒማ። ንዘሎዋ ሕጽረት መሬት ሕርሻ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣገባብ ሕርሻ ክተተኣታቱ ከም ዝግባእ ይመኽሩ፣ ትኹላዊ ሕርሻ ድማ ሓደ ካብቶም ፍቱናት ሜላታት ኰይኑ ኣሎ፣ ብዘይካ’ዚ ሜላ። “ፋብሪካታት ኣሕምልቲ” ዝተሰምዩ። ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ኣሕምልቲ ንምፍራይ ዘገልግሉ ህንጻታት ንምምዕባል'ውን ድሮ ተበግሶታት ክውሰዱ ጀሚሮም

ኣለዉ፣ኣብ ርእሲ’ዚ። ገለ ኣብያተ

ትምህርቲ ንተመሃሮአን ምስዚ ቴክኖጂታት ሕርሻ ንምልላይ። ኣብ ናሕሲ ፓላሶታት። ሕርሻታት ብምድኳን ንተመሃሮአን ንምምሃር ይጽዕራ ኣለዋ፣ ትካል "ስካይ ግሪንስ" እውን ምስ ገለ ኮለጃት ብምርድዳእ። ተመሃሮአን ኣብዚ ዓውዲ ኣተኵሮ ገይሮም ንኽሰርሑ ንምምሳጥ ተተሓሒዞምዎ ኣለዉ፣

ምንጪ።- Inter Press Service

መለሳ ክሽነ

ዓቐን

- ½ ኺሎ ፓስታ- 4 ሓባ እንቋቝሖ- 1 ኩባያ ሻሂ ዝበሰለ ዓይኒ ዓተር- ½ ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም- 1 ኩባያ ጸባ- ቁሩብ ጨው (ከም ኣድላይነቱ)

ኣገባብ

መጀመርታ። ፓስታ ኣብሲልና ኣብ ዕሙቕ ዝበለ ሸሓኒ ብምግባር ምስ እንቋቝሖ። በርበረ ጸሊም። ጸባ። ጨውን ዓይኒ ዓተርን ንሓዋውሶ፣ ብድሕሪኡ ኣብ ባዴላ ቁሩብ ዘይቲ ጌርና። ንስንክቶ፣ ታሕተዋይ ወገኑ ምስ በሰለ። እቲ ላዕለዋይ'ውን ንኽበስል ቀስ ጌርና ንግልብጦ፣ (ኣብ እዋን ምግልባጥ። እቲ ዝሰንከትናዮ ከይስበረና ምእንቲ። ፎርኖ እንተ'ሎና ምስ ባዴላኡ ኣብ ፎርኖ ነእትዎ)፣ ኣብ መወዳእታ። ቅይሕ ምስ በለ ኣውጺእና ንመግቢ ንቕርቦ፣

ምንጪ።- መጽሓፍ ክሽነና

Page 4: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 4

ብመም/ ዮናስ ሃብተ

“ኢሂ ዳእ ትጥምቱኒ! ሓግዝኒ ክብላ ኣይክእልን ድየ!?”

ብወገን ደቡብ ብዘሎ ኣፍደገ ኣቢሉ ናብ’ቲ ቐጽሪ ቤተክርስትያን ዝኣቱ ዝነበረ ጎበዝ፡ ነቶም ኣብ ኣፍደገ ኮፍ ኢሎም ዝጸንሕዎ ዓቢ ኣቦ የዕዘምዚምሎም። ወዲ 40 ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ድልዱል ጎበዝ’ዩ። ንሱ ደኣሉ ዘይፈልጠኒ እምበር፡ ኣነ ካብ ቀደም’የ ዝፈልጦ። ኣብ ሂወቱ ስራሕ ትበሃል ፈቲኑ ኣይፈልጥን። ንጉሆ ‘ደሕን ወዓሉ!’ ኢልካ ወፊርካ፡ ምሸት ‘ደሓንዶ ውዒልኩም!’ ኢልካ ምእታው ዛንታ’ዩ ንዕኡ።

“ማለት’ሲ ካልእ ነገር ዝብላ ዘለኹ ከይመስለኩም፡ ሓግዝኒ’የ ዝብላ ዘለኹ። እንተኾነስ ዋላ ሓንቲ ሓገዝ ደኣ ርእየላ ኣይፈልጥን እየ ’ምበር።’’ ናብ ጥቓ’ቶም ኣቦ እናቐረበ ወሲኹ።

“ንኹሉ መመዛርብቱ ኣለዎ፡ ዘይመለዓልትኻ ኣይተልዕል ዝወደይ!’’

“ሕጂ ምስኣ እንተተዛረብና ምሽ መዛርብትኻ ኣይኮነትን ትብሉና ኣለኹም። ምሳኹም እንተንዛረብ ከኣ መዛርብተይ ኣይኮንካን ምበልኩምና። ምስ መን ዳኣልና’ሞ ክንዛረብ? ምስ ሰይጣን!?’’ በሉ ቦትኡ ትፈልጥዎ እንተ ኾይንኩም ሓብሩና’ሞ፡ ሓደ ኣፊቱ ንዕኡ ሓግዘና ኢልና ንሱ ዘዝኣዘዘና ክንገብር። ኣበይ’ሞ ንሱ እንተትሕግዘና፡ ንኹሉ ኣቦስትኡ መትሕዝናዮ።’’ ኢሉ፡ ‘’ኪር’ኪር!” ኢሉ ሰሓቐ።

እቶም ኣቦ ሓንሳብ ኣትኩሮም

ጠሚተሞ፡ “... ዎ’ ሰበብ!” ኢሎም ካብቲ ዝነበርዎ ብድድ ብምባል፡ ናብ’ቲ ቀንዲ ህንጻ ናይ’ቲ ቤተክርስትያን እናጠመቱ ኣማዕቲቦም፡ ገለ ገለ ኢሎም እናተዛረቡ ንደገ ተዓዝሩ። ንሶም’’ኳ ብሩኽ መዓልቲ ኣውዕለና ኢዮም ዝብሉ ኔሮም ዝኾኑ።

ብሩኽ መዓልቲ ምውዓል ንምዃኑ፡ ካባና ድዩ ካብ ካልእ? ብሩኽ መዓልቲ ንኽንውዕልን ዘይክንውዕልን ንሕና እንጻወቶ ተራ ኣሎ’ዶ? ንሕና ባዕልና ብሩኽ መዓልቲ ክንውዕል ተበጉሶ ከይወሰድና፡ ብሩኽ መዓልቲ ኣውዕለና ስለዝበልና ጥራይ፡ ኣብ ክንዳና ኮይኑ ባዕሉ ተበጉሶ ብምውሳድ ብሩኽ መዓልቲ ክንውዕል ዝጽዕረልና ኣካል ሓይሊ ኣሎ ድዩ? ኣሎ እንተ ድኣ ኮይኑ ብኸመይ? ብውሽጠይ ዝደራረብኩዎ ሕቶታት’ዩ።

እቶም ኣቦ ምስ ከዱ፡ ንሱ እናዕዘምዘመ ቀባሕባሕ በለ’ሞ ኢዱ ኣብ ሽምጡ ጌሩ ተዓነደ። ምስ መን’ዩ ዘዕዘምዝም ነይሩ? ምስቶም ኣቦ’ውን ኣይመስለንን። ሽጉር መሻግርቲ ስለ ዝደሊ እምበር፡ ብዓንተቡኡ’ውን ጉ ዳ ዩ ምስኦም ኣይነበረን። ዋ ላ ምስኦም እንተነበረ’ውን ድሮ ሃዲሞምሉ ኢዮም’ሞ ዕደ ነስኣ። ከምኡ’ዩ ነገረ - ነገር፡ ንስኻ እንተ ድኣ ሃዲምካሉ፡ ደድሕሬኻ ክስዕብ ዓቕሚ የብሉን። እንሆ’ኳ ’ቲ ወዲ መናግርቲ ስኢኑስ ባዕሉ ሰተት ኢሉ ንደገ ወጺኡ።

ኣይ ከምቲ ናቱን እምበር ኣብቲ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ብዙሓት ሰባት ኢዮም ነይሮም። ዓበይቲ ሰባት ብጡሮታ ድዩ ብኻልእ ምኽንያት ካብ ስራሕ ደው ምስ በሉ፡ ናብ ቤተ- ክርስትያን ዝኸዱ ንጸሎትን

ነቲ ቦታ ክምኣቶም ምስ ዝኣመሰሉ ሰባት ከም መራኸብን ጉጅም መበሃሃልን ስለ ዝጥቀሙሉ ኢዩ። እቶም ነእሽቱ ግን ክብድ ዝበለን ናብ ጭንቀት ዝሸምምን ኩነታት እንተ ኣጋጢምዎም በይኖም ብሕት ኢሎም ንምስትንታንን ነብሶም ካብ ካልኦት ሰባት ንምግላልን ይመርጽዎ።

ኣብ ጸግዒ ጸግዒ መናድቕን እግሪ እግሪ ‘ቶም ኣግራብን ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ብዙሓት መንእሰያት ነይሮም። ጓሎም ወዶም ኣብ ከቢድ ሓሳባት ጥሒሎም ብዝንታ ዝተዋሕጡ ይመስሉ ነበሩ። ገለ ንምፍትሑ ዝጸገሞም ወይ ክብድ ዝበለ ናይ ህይወት ወጥሪ ክም ዝተጻዕኖም’ ካብቲ ኩነታቶም ትርዳእ።

ምቁራጽ ትምህርቲ ወይ ስራሕ፡ ሞት መቕርብ፡ ምፍልላይ ካብ ቤተ-ሰብ ወይ ዓርከ-መሓዛን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ኣብ ከቢድ ጭንቀት ስለ ዘእቱ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ህድእ ዝበለ ቦታ መሪጽካ ብሕት ኢልካ ምስ ነብስኻ ምዝርራብ ዝጽላእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፍካ ነቲ ቁዱስ ቦታ ከም መውዓልን ካብ ገጽ ሰባት መህደምን ትጥቀመሉ እንተ ዳኣ ኮይንካ ግን፡ ብኡ ኣቢሉ ናብ ዘይተደልየ ነብሰ-ተነጽሎን ምልማስን ኢዩ ዘእቱ።

ንምዃኑ እቲ መንእሰይ እንታይ ዓይነት ሓገዝ’ዩ ደልዩ ነይሩ? ሓገዝ ምሕታት ዘሎን ዝነበረን’ዩ። እኳ ደኣ ኣብዚ ዘለናዮ መበል 21 ክ/ዘ “ኣነ ሓገዝ እደሊ ኣለኹ።’’ ዝብል ዘረባ እቲ ኣገዳስነቱ እናዓዘዘ ዝኸይድ ዘሎ ዘረባ ምዃኑ፡ ኣብ’ታ ‘The power of intention’ እትብል መጽሓፍ ስነ -ልቦና ኣንቢበ ኣለኹ። ዝኾነ ይኹን ዘይንቡር ኩነታት ተፈጢሩ ሰላምካ ዝዝረግ ዘሎ ኮይኑ እንተ ደኣ ተሰሚዑካ፡ ካብ ብጭንቀት ተዋሒጥካ ኣብ ዘየድሊ ጉጉይ ውሳነታት ምእታው፡ ካብቲ መፍትሒ ዝኸውን ነገር ከምጽኣለይ ይኽእል’ዩ ኢልካ ዝሓሰብካዮ ሰብ ወይ ትካል ሓገዝ ምሕታት ጉቡእ’ዩ።

ብድብድቡ ሓገዝ ምድልይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንታይ ዓይነት ሓገዝ’ዩ ተደልዩ ዘሎ ምፍላጥ’ውን ክርሳዕ ዘይብሉ’ዩ። ሓገዝ ክበሃል ከሎ ስሙ ከም ዘመልክቶ መሰረት (መበገሲ) ዘይኮነስ መመላእታ’ዩ። ስለዚ ድማ እቲ እትሓቶ ሓገዝ ካብቲ ዘለካ ኢዩ ክብገስ ዝግብኦ። ፈለማ እንታይ ክትገብር ደሊኻ ኣለኻ? እንታይ ይተርፈካ? ብንጹር ክፍለጥ ይግብኦ? ሽዕኡ እዚ ክገብር ደልየስ፡ እዝን እዝን ናይ ሞያ፡ ፍልጠት ወይ ገንዘብ መበገሲ ኣለኒ እሞ፡ እዚ ግን ጎዲሉኒ ኢልካ ሓገዝ እንተ ድኣ ሓቲትካ፡ እቲ ሓገዝ ይትርፈ‘ዶ ካብ ኣምላኽ’ስ ካብ ሰብ ኽትረኽቦ እውን ብዙሕ ጸገም የብሉን።

እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብ ጌዜ ንእስነትካ፡ ባዕልኻ ንሞያን ፍልጠትን ጎይኻ እቲ ካባኻ ዝድለ መሰረታዊ ነገር እንተ ዘይሒዝካ፡ ናይ ካልኦት ሓገዝ ጥራይ ኣብ ዘብጽሓካ ቦታ የብሉን። ባዕልኻ ሞያን ፍልጠትን ንምምእራር እንተ ዘይተጊህካ፡ ባዕልኻ ህይወትካ ንብቕዕት እንተ ዘይኣዳሊኻ፡ ብናይ ካልኦት ሓገዝ ጥራይ ህይወትካ ክትመርሕን ኣብ ምሕዩሽ ደረጃ ክትበጽሕን ማለት ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምቲ ወዲ ምስ ዘይመዛርብትኻ ክትዛረብ እንተዘይ ኮይኑ።

እቲ ሓጋዝን ተሓጋዝን ዘምጽእ ናይ ህይወት ፍልልይ፡ ምስ ዕድል ዝተሓሕዝ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ጊዜ ንእስነትካን ካልእ እዋንን እትረኽቦ ጽቡቕ ዕድል፡ ብዝግባእ ናይ ምጥቃምን ናይ ዘይምጥቃምን ሕቶ ኢዩ። መዛኑኻ ስኖም ነኺሶም እናጽዑ፡ ሙሉእ ግዚኦም ወፍዮም እናተቓለሱን ንስኻ ኣብ ዘየርብሕካ ኣጉል ቦታታት ግዜኻ ተባኽን እንተ ድኣ ነይርካ፡ ንሳቶም ኣብ ጽቡቕ ቦታ ክበጽሑ ከለዉ፡ ንስኻ ክትድርበ ምዃንካ ከሎ ገና ክርድኣካ ይግባእ።

መፍትሕ መርሖ ጽቡቕ ህይወት፡ ጊዜኻ ንዝሻሞ ጊዝያዊ ተርባጻት ብትዕግስቲ ዓፊንካ፡ ዓሻ ድሌታትካ መሊኽካ፡ ዘይጠቅም ስሚዒታት ተቖጻጺርካ ኢያ እትርከብ። ኣብዘን ሒደት ናይ ንእስነት ዓመታትካ፡ ነቲ ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ዕድል ብዝግባእ ኣንተ መዝሚዝካዮ፡ ንሙሉእ ሂይወትካ ዘገልግል ናይ ተኽእሎታት መፍትሕ ክትውንን ኢኻ። ንሱ እንተ ሒዝካ ድማ፡ ዝደለኻዮ ኣፍደገ ዕድል ክትከፍት ኣይክጽግማካን ኢዩ። ሽዑ ንኹሉ መገድታት ህይወት ብምጥዓስ ዘይኮነስ፡ ብምሕጓስ ስለ እትኸዶ፡ ጥዕናኻን ጥዕና ሕብረተ-ሰብካን ሕሉው፡ ጁባኻን ጁባ

ቤተ-ሰብካን ድማ ህጡር ይኸውን።

ብመንጽር ኣብዚ ላዕሊ ዝረኣናዮ ነጥብታት እንተ ድኣ ርኢናዮ፡ ንህይወትናን ኣካይዳናን ከመይ ንግምግሞ? ኣካይዳና ንህይወትና ዝስልም ድዩ ዝዘርግ? ስጉምትታትና ንህይወትና ዘኽብር ድዩ ዘዋርድ? ብዝግባእ ገምጊምና፡ ክተባባዕ ንዘለዎ ኣካይዳና ክንደፍኣሉ፡ ነቲ ሕማቕ ዘሎ ድማ ክንእረመሉ ይግባኣና። ከምዚ እንተ ድኣ ጌርና፡ ኣብ መጻኢና ብፍልጠት፡ ጽቡቕ ኣመለኻኽታ፡ ስነ -ምግባር ዝተመላኽዐ ዕድላት ክንተክል ኢና፡፡ ኣብ መጻኢና ጠሊ ክሰርብ፡ ተስፋ ክነጉድ፡ ብርሃን ክበርቕ፡ ብህዱእ ሽውሽውታ ተሰንዩ ነቲ ዕድላት ዘጥልል ዝናብ ክዘንብ፡ እቲ ዕድላት ድማ ሽሻይ ህይወትና ከሰስን’ዩ።

ልዕሊ ኩሉ ከነስተውዕሎ ዝግባኣና ግን፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ቀጸላ ወለዶ ክሓልፍ’ዩ፡ ተፈጥሮኣዊ ግዴታ ስለ ዝኾነ። እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ድማ፡ ነቲ ዝሓልፍ ኣረጊት ቀጸላ ሕብረተሰብ ክትክኦ’ዩ። እቲ ነቲ ዝሓለፈ ቀጸላ ክትክእ ዘለዎ ሓድሽ ቀጸላ ንሱ ስለ ዝኾነ። ዝባን ናይ’ዚ ሓድሽ ቀጸላ ሕብረተሰብ ሕፉር ድዩ ክኸውን ግሱስ፡ ተሪር ድዩ ክኸውን ፈኲስ፡ ዕሩቕ ድዩ ክኸውን ክዱን፡ ሕጉስ ድዩ ክኸውን ሕዙን ድማ፡ ኣብ ጻዕሪ ናይ ክልቲኦም ቀጸላታት ብማዕር ዝግደፍ’ዩ። ከመይ’ሲ እቲ ሓድሽ ቀጸላ፡ ነቲ ዝተፈጥረሉ ዕድላት ኣብ ምምዝማዝ ትግሃትን ጻዕርን ክሓቶ ከሎ፡ እቲ ዝሓልፍ ዘሎ ቀጸላ ድማ፡ ነቲ ተካኢኡ ብፍቕሪ እናሓብሓበ ዕድላቱ ብዝግባእ ንኽምዝምዝ ዘተባብዕ ራእዪ ከም ዝራኣዮ ክገብር ኣለዎ።

ኣሉላ ፍሰሃየ

እዋን ፈተና ከይኣኸለን ምስ ኣኸለን ብተገዳስነት ነጽንዕ ኢና። እንተኾነ ገሌና ወረቐት ፈተና ምስ ተዓደልና፣ ነቲ ደኺምና ዘጽናዕናዮ ዓዉደ ትምህርትን ሓሳባትን ክንዝክሮ የጸግመና። እቲ ዓቢ ጸገም ኣብ እዋን ፈተና ምፍራሕ ወይ ምርባሽ ክኸዉን ይኽእል’ዩ። ካብ’ዚ ብምቕጻል እንበኣር ካብ’ዚ ንምግልጋል ዝሕግዛ እተን ቀንዲ ፍቱናት ምኽርታት ስዒበን ይቐርባ፥

- ቅድሚ ናብ ቦታ ፈተና ምኻድካ ከቢድ መግቢ ክትምገብ ወይ ድማ ከተብዝሕ የብልካን። ከምኡ’ውን መታን ጽምኣት ከይስምዓካ ከይበዝሐ ማይ ክትሰትይ ኣለካ።

- ናብ መፈተኒ ክፍሊ ቅድሚ ምእታውካ ኣብ ዘለዋ ሒደት ደቓይቕ ጽምዉ ዝበለን ሰብ ክርእየካ ኣብ ዘይክእል ቦታ ኮይንካ ንሳላሳ ካልኢት ዝኸዉን ርእስኻ ከየንቀሳቀስካ ዓይንኻ ከፊትካ ብቁልጡፍ ካብ የማን ናብ ጸጋም ወይ

ብኣንጻሩ ደጋጊምካ ናብዝን ናብትን ኣብሎ። እዚ ኣብ የማናይን ጸጋማይን ዘሎ ክልቲኡ ክፋል ሓንጎልካ መልእኽቲ ብቅልጡፍ ክለዋወጥ ይሕግዞ’ዩ። ከምዚ ዓይነት ልምምድ ኣብ ግዜ ዕረፍትኻ እዉን ክትለማመዶ ትኽእል ኢኻ።

- ክትፈትን ኢልካ ኮፍ ምስ በልካ ቀልጢፍካ ህድእ ኢልካ ኣዓሚቍካ ደጋጊምካ ኣተንፍስ። ከምዚ ምግባር ዉሽጥኻ ክሃድእን ነገራት ብርህ ኢሎም ክረኣዩኻን ክትሓስብን ከኽእለካ’ዩ።

- ከተጽንዕ ከለኻ ኣብ እዋን ፈተና ከም ዘለኻ ሓሲብካ ንኹሉ ናይ መፈተኒ ናዉቲ ትምህርትኻ ኣብ ጠረጴዛኻ ቀሪብካ ኣጽንዕ። ብዘይካ እዚ ካልእ ነገር ኣብ ጠረጴዛኻ እንተሎ እለዮ። ኣብኡ ኮይንካ ኣይትብላዕ ወይ ኮምፑተር መሳሊ ኣይትተናኽፍ። ብሓጺሩ ካልእ ንጥፈት ኣይተካይድ። ሓንቲ ግን እቲ ተጽንዓሉ ዘለኻ ክፍሊ እኹል መጠን ብርሃን ከም ዘለዎ ኣረጋግጽ።

- ነቲ ትፍተኖ ዘለኻ ዓዉደ ትምህርቲ

ንኻልኦት ምሃረሉ። ብሓጺሩ ብዛዕባዚ ትምህርቲ ንሓደ ሰብ ልክዕ ከም መምህር ኮይንካ ምሃሮ። ምምሃር እቲ ዝበለጸ መገዲ ናይ ምዝካርን ምምላኽን ሜላ’ዩ። ምኽንያቱ ክትምህር እንተኾይንካ ፈለማ ንስኻ ብዝግባእ ከተጽንዖን ክትሽምድዶን ከም ዝግበኣካ ዝተፈልጠ ነገር’ዩ። ብተወሳኺ ክትምህር ከለኻ እዉን ንባዕልኻ እናተማሃርካ ኢኻ ተኸይድ።

- ከተጽንዕ ከለኻ ቁርጽራጽ ካርድታት ገይርካ ነቶም ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ሓሳባት ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ፣ ነቲ ዝርዝራት ብድሕሪት እናስፈርካዮም ኪድ። ኣስተዉዕል ንዝረኸብካዮ ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ሓሳባትን ገለ ዝርዝራትን ድኣ እንበር ንኹሉ ቃል ብቃል ማለት ኣይኮነን። ድሕሪዚ ካብቶም ተረስሪሶም ዘለዉ ካርድታት ዝኾነ እናልዓልካ መጠን ክንደይ ከም ዘጽናዕካዮም እናገምገምካ ኪድ።

- ኣብ እዋን ፈተና ነቲ መባእታዊ ናይ ምዝካር ሜላ ዝበሃል ክትጥቀም ፈትን። ንኣብነት ገለ ሓሳባት ወይ ቃላት ምስ ካልእ

ከምኡ ዝኣመሰለ ምትእስሳር፣ ወይ ድማ መስሓቕ ብዝኾነ መገዲ፣ ብዘይእመን ኣገባብን ዝተጋነነን ኣብ ኣእምሮኻ ሓደ ስእሊ ፈጢርካ ክትርእዮ ፈትን። ኣስተዉዕል ኣብ ኣእምሮኻ ዝሰኣልካዮ ስእሊ ኣይርሳዕን’ዩ። ስእሊ ከኣ ዝያዳ ይዝከር። ብኸምኡ ኢና ድማ ሓደ ሰብ ስሙ ግብ ኢሉ ምዝካር ክኣብየና ከሎ፣ መልክዑ ግን ዘይንስሕቶ።

- ከተጽንዕ ከለኻ “መን” “እንታይ” “ኣበይ” “መዓስ” “ከመይ” “ስለምንታይ” እናበልካ ንገዛእ ርእስኻ እናሓተትካያ ኪድ። እዞም ሓደ ብሓደ ዘጋጥሙኻ ሕቶታት ክትምልሶም እንተዘይክኢልካ፣ ክሳብ ኣጸቢቅካ ትዝክሮምን ትጭብጦምን ከተጽንዕም ከም ዘለካ ዘዘኻኽሩ ምልክታት’ዮም።

- ስትራቴጂ ኣዋሳስዳ ፈተና ዝበሃል ተጠቕም። ሓደ ካብ ስትራተጂ ኣዋሳስዳ ፈተና ምምላስ ንዝኣበየትካ ክብድ ዝበለ ሕቶታት ገዲፍካ ናብ ካልእ ሕቶ ምስገር’ዩ። ፈለማ ነተን ብዝግባእ ከይተወላወልካ ዘስፈርካየን መልስታት ምስ ወዳእካ ድሓር ናብተን ምዝካር ዝኣበያኻ ተመለስ። ከምዚ እንተገይርካ ካብቲ ብቀሊሉ ዝመለስካዮ ሕቶታት ገለ ዘዘክር ነጥብታት ወይ ኣንፈታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

- ምረጽ ዝብል ዓይነት ፈተና እንተጋጢሙካ፣ ፈለማ ነታ ፈጺማ ቅንዕቲ ዘይኮነት ፈሊኻ ኣላልያ። ምኽንያቱ ካብቲ ስለስተ ወይ ኣርባዕተ ሓንቲ ፈጺማ ምስቲ መልሲ ዘይትጋጠም’ያ። ድሓር ናብተን ክልተ ወይ ሰለስተ ሕቶታት ተመሳሰልቲ ዝኾና ምሉእ ኣድህቦኻ ብምሃብ ክትፈልየን ፈትን።

- ኣብ ባዶ ቦታ ምላእ ዝብል ሕቶታት ድማ፣ ነታ ሕቶ ከም መበገሲ ገይርካ ናይ ምዝካር ምትእስሳር ግበር። እዚ ሜላ መወዳእታኡ ናብታ መልሲ ክመርሓካ እዩ። ምትእስሳር ወይ ምዝማድ ኣብ ሕጊ ምዝካር እቲ ዝበለጸ ሜላ ናይ ምዝካር’ዩ።

- ኣብ መጠረስታ እወንታዊ ሓሳባት ይሃሉኻ። ኣሉታዊ ናይ ምዝካር ድኽመትካ እናዘከርካ ኣይተሰላስል። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ሓሳባትካ ጠርኒፍካ ዝያዳ ናብ እወንታዊ ዝኾነ ርእሰ ምትእምማን ዝመልኦ ኣንፈት ኣግዕዞ። ንገዛእ ርእስኻ ኸኣ ከምዚ በላ፣- “ነዚ ሕቶ ክዝክራ’የ”፣ “ግሩም ዝኾነ ናይ ምዝካር ክእለት ኣሎኒ” በል። ከምዚ ምባል ንመትንታት ሓንጎልካ የበራብሮ’ዩ።

Page 5: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 5

እንታይ ትመኽሩኒ

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ወዲ 32 ዓመት ሰራሕተኛ እየ። ብተፈጥሮይ፡ ይዕበ ይንኣስ ጸገም ከፍርሓኒ መዓት እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኩሉ ግዜ ጸገም ክፈጥረለይ ካብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ምስ ተጠንቅቕኩ እየ። ዝዀነ እቶት ዝርከቦ ስራሕ፡ ወይ እውን ሽግር ዝጋረዶ ጥቕሚ፡ ቅርብ ኣይብሎን እየ። ንኹሉ ነገር ብኹሉ ሸነኻት ፈቲሸ 100% ከይተኣማመንኩ ክኣትዎ ኣይደሊን። ንኣብነት፡ ክሽቅጥ እንተ ድኣ ተበጊሰ፡ ንኹሉ መዳያት ፈቲሸን መርሚረን መኽሰብ ከም ዝረክብ ርገጸኛ ክኸውን ኣለኒ። ካብ ዘውፈርኩዎ ገንዘብ፡ ዋላ ሓሙሽተ ሳንቲም ክኸስር ኣይደሊን። ኣብ ካልኦት ዓውዲ ስራሕ እውን ከምኡ። ኰይኑ ግን፡ ካብ ጸገም ክሃድም ክብል መመሊሰ ናብ ጸገም እኣቱ ኣለኹ። ዓሚቝ መጽናዕቲ ገይረ ዝጀመርኩዎ ዕዮታት ኩሉ ዋላ ሓንቲ ውጽኢት ስኢነሉ። ክሳብ ሕጂ፡ መሰናኽላት ንኸየጋጥሙኒ መጽናዕቲ ኣብ ምግባርን ካብ ጸገማት ክሃድምን ግዜይ ስለ ዘሕለፍኩዎ፡ ዋላ ሓንቲ ዘፍረኹዎ ዓቢ ነገር የብለይን። ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ሰባት ብኸመይ ድዮም ዝዕወቱ? ዓወት ዝተሓረሞ ካብ ኣስመራናብ ፍጹምነት ገጽካ ክትምርሽ

ትሃልኽ ዘለኻ ኰይኑ ይስመዓና ኣሎ። ወይ ድማ ብዘይመሰናኽል ዓወት ትጽበ ኣለኻ። ሓያሎ ሰባት፡ ካብ ብድሆታት እናሃደሙ ዕምሮም የሕልፉ እዮም’ሞ፡ ንስኻ እውን ኣብ መስርዖም ዝኣተኻ ኢኻ ትመስል። ብዘይጥርጥር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሂወት ክስገሩ ዝግበኦም ፈተንቲ ኣጋጣሚታት ኣለዉ። ካብ’ዚኣቶም እንተ ሃዲምና ግን፡ ንግዜኡ እምበር፡

ከም ዝመስለና “ካብ ሕጂ ዝነቆወ ዝብኢ. . .” ከይኰነኪ ኢኺ ሰጊእኪ። እዚ ብኽልተ መንገዲ እንተ ረኣኽዮ ጽቡቕ ይመስለና። ቀዳማይ፡ ባህሪ ናይ መጻምድትኺ ኣቐዲምኪ ፈሊጥክዮ እንተ ድኣ ጸኒሕኪ፡ በየናይ መንገዲ ክትኣልይዮ ከም እትኽእሊ ገለ ግንዛበ ከተሕድሪ ኢኺ። ኣብ ሓዳር እንተ ድኣ በጺሕኩም፡ ብዙሕ ናይ ቈጸራን ናይ ምፍልላይን እዋን ዘይብልኩም ክትኰኑ ስለ እትኽእሉ ድማ፡ ነቲ ሓደ ሓደ እዋን ከጋጥመኩም ዝኽእል ኩራ፡ ብቐሊሉ እትፈትሕሉ ተመኩሮ ከተጥርዪ ትኽእሊ ኢኺ። ካልኣይ ድማ፡ ኣፍቃሪኺ፡ ምናልባት ድሕሪ ሓዳር ከምኡ ዝበለ ባህሪ ኣየንጸባርቕን ይኸውን። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ዋላ’ኳ ተቐራሪብኩም እንተለኹም፡ ምሉእ ብምሉእ ናቱ ምዃንኪ ዘረጋግጸሉ ግዜ ኣይኰነን። ንመርዓን ንሓዳርን ኣይወዳእኩምን ዘለኹም። እንተ ድኣ

ጓል 22 ዓመት ተመሃሪት ኮለጅ እየ። ሓደ ፈጺሙ ካባይ ዘይርሕቕ፡ ግን ከኣ ኣነ ዘይፈትዎ ወዲ ኣሎ። “ኣይደልየካን እየ ካብ ጥቓይ ርሓቕ” ከይብሎ፡ ኩሉ ግዜ ብትሕትና እዩ ዝቐርበኒ። ‘ግበረለይ’ ወይ ‘ሓግዘኒ’ ከይበልኩዎ፡ ብዙሕ ነገር እዩ ዝገብረለይ። ኣብ ክንዳይ ይሽገር፡ ንዓይ ዝምልከት ነገር ካባይ ንላዕሊ ተገዲሱ ይከታተል፡ ኣነ ክገብሮ ዝግበኣኒ ኣቐዲሙ ወዲኡዎ ይጸንሕ። ንኹሉ ሰናይ ተግባራቱ ርእየ ሸለል ክብሎ እንተ ደለኹ’ኳ፡ ዋላ ሓንቲ ጠላሕ ምባል ኣብዩኒ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣመና እየ ጸሊአዮ ዘለኹ። ገለ አመኽንየ ከይርሕቖ፡ ንባእሲ ዝእምት ኣንፈት ከሊኡኒ። መሓዙቱ ከይተረፉ ብሰንከይ እናጸረፍዎ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይግድሶን እዩ። ከመይ ገይረ እየ ክርሕቆ ዝኽእል እባ ገለ ማዕዳ ሃቡኒ።ደላይት ምኽሪ፡ ካብ ኣስመራበቲ ሓደ ዕድለኛ ኢኺ ክንብለኪ

ንደፍር። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ሽግር ረኺብኪ ብምህላውኪ ንድንግጸልኪ። ገለ ሰባት ወይ እውን ኣፍቀርቲ፡ ዝረኽቡዎ መልሰ-ግብሪ ብዘየገድስ፡ ‘ሰናይ ተግባር ምግባር ተፈቃሪ ክገብረካ ይኽእል እዩ’ ኣብ ዝብል እምነት ስለ ዝደርቁ፡ ከይተሓለሉ ብገዛእ ፍቓዶም ኣብ ጽዑቕ ክንክን ናይ’ታ ዝደልዩዋ ጓል ሄዋን ይጽመዱ እዮም። እቲ ዓቢ ጸገም ድማ፡ ነታ ዝደለዩዋ ሰብ ሰናይ ነገር ይገብሩላ ከም ዘለዉ ደኣ’ምበር፡

ናጽነታ ገፊፎም ሸቘጥቆጥ የብሉዋ ከም ዘለዉ ኣይርደኦምን እዩ። በዚ መንገዲ፡ ፍቕሪ ዘናድዩ ሰባት፡ ገሊኦም ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ክሰልጦም ከሎ፡ ገለ ድማ ማይ ዓሚኾም ይተርፉ። እዚ ከም ቁርዲድ ኣብ ኣካላትኪ ለጊቡ ዘሎ ወዲ እውን፡ ከምኡ ዝበለ እምነት ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ብሕጂ እውን ዝገላገለኪ ኣይመስልን እዩ።ብሓቂ፡ እቲ ዝገብረልኪ መወዳእታ

ዘይብሉ ሰናይ ነገር፡ ሕማቕ ንኸይትዛረብዮ ክዓግተኪ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ ስምዒትኪ ምስኡ ኣይሃሉ ደኣ’ምበር፡ ሕልናኺ እንተ ወቐሰኪ ዘይንቡር ኣይኰነን። ከም ኣበሃህላኺ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ጨሪሱ ክርሕቀልኪ ኢኺ ደሊኺ ዘለኺ። ርሓቐለይ ንኽትብልዮ ግን ድፍረት ኣይረኸብክን። ስለ ዝዀነ፡ ከም ዘይትደልይዮ ክእምትሉ ዝኽእሉ ሜላታት ሃሰስ ምባል ከድልየኪ እዩ። - ብዝተኻእለኪ መጠን፡ ንሱ ኣብ

“እናጸላእክዎስ መመሊሱ ይቐርበኒ”

ዘለወሉ ከባቢ ካብ ምንቅስቓስ ተቘጠቢ።- ብገለ ኣጋጣሚ ኣብ እትራኸቡሉ

እዋን፡ ስራሕ ወይ ቈጸራ ከም ዘለኪ ብምንጋር፡ ቀልጢፍኪ ተፈለይዮ። - ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክትራኸቡ

ግድነት ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ምስ ካልኦት ኣዕሩኽትኺ ወይ መሓዙትኪ ኮይንኪ ርኸብዮ። እዚ ኣብ ልዕለኺ ብሕታዊ ዋንነት ከም ዘለዎ ንኸይስመዖ ይጠቅም። - ናይ መጻኢ መደባትኪ ብምዕላል፡

ምስኡ ዘተኣሳስር ሂወት ከም ዘይብልኪ ኣምትሉ። ንኣብነት ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብፍቕሪ ይኹን ብቃል-ኪዳን ናይ ምቑራን መደብ ከም ዘይብልኪ ብምንጋር፡ ተስፋ ከም ዝቘርጽ ክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ።- ብመሓዙትኪ ወይ ብኣዕሩኽቱ

ኣቢልኪ፡ ከም እትጸልእዮ ወረ ከም ዝበጽሖ እንተ ገበርኪ እውን ዝጽላእ ኣይኰነን።

ጸኒሖምስ ብዓቐንን ብምረትን ወሲኾም ኣብ ቅድመና ከም ዝጸንሑ ርጉጽ እዩ። ክሳራ ፈሪሕካ ካብ ሸቐጥ እንተ ድኣ ሃዲምካ፡ ብዓቢኡ ክትሰርሓሉ ዝግበኣካ ግዜ ከሲርካ ኣለኻ። መጽናዕቲ ብምግባር፡ ብዛዕባ’ቲ እትሓስቦ ዕዮ ጽጹይ ሓበሬታ ክትረክብ ምፍታን ልቦና እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንስኻ ኣብ መጻኢ ከጋጥመካ ብዛዕባ ዝኽእል መሰናኽል ይኹን ጽቡቕ ዕድል ውሑድ ኣፍልጦ ጥራይ እዩ ዘለካ። ንመጻኢ ብቐመር ምሉእ ብምሉእ ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምሉእ ብምሉእ ክትፈልጦ ከም ዘይትኽእል ካብ ተገንዘብካ ድማ፡ ዘይተጸበኻዮ ሕማቕ ወይ ድማ ጽቡቕ ክስተት ክጸንሓካ ከም ዝኽእል ክትኣምን ኣለካ። ከምኡ ዝከኣል ነይሩ እንተ ዝኸውን እሞ፡ ኩሉ ሰብ ንስኻ ክሳብ እትጅምረሉ ኣይምተጸበየን። ስለ ዝዀነ፡ ካብ ብድሆታት

ኣይትህደም። ካብ ብድሆታት ክትሃድም ከለኻ፡ ብገዛእ ርእስኻ ብዕጽፊ ተራብሖም ከም ዘለኻ ክስወጠካ ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ዕንቅፋት ከይሰገርካ ካልእ ዕንቅፋት ክትሰግር ስለ ዘይትኽእል። ኣብ ታሪኽ ናይ’ዛ ዓለምና፡ እቶም ብእንተታት ተቐይዶም ብፍርሒ ዝሕቆኑ ሰባት ክዕወቱ ኣይተራእዩን። እቶም ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንሓደጋ ቅሩባት ዝዀኑ (Risk takers) ግን፡ ዓበይቲ ነገራት ሰሪሖምን ይሰርሑ ኣለዉን። ባሕሪ ከይውሕጠካ ኢልካ ዓሳ ካብ ምግፋፍ እንተ ኸኒብካ፡ ጾምካ ካብ ምሕዳር ወጻኢ ካልእ ዕድል የብልካን። ስለ’ዚ፡ ክትሰግሮም ዝግበኣካ ፈተንቲ ኣጋጣሚታት ክትሰግሮም ድሉው ኩን።

“ጸገም እናፈራሕኩስ ናብ ጸገም”

ዘይማእሚኡኪ፡ ናብ ቃሕታኺ ክትዕዘሪ ከም እትኽእሊ እምነት ኣለዎ። ምስ ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ክርእየኪ ከሎ ብቕንኢ ከም ዝሕመጥ ኣይጠፍኣኪን እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ቈጸራ ክትድንጉዪዮ ወይ ክትጠልምዮ ከለኺ፡ ዝትንትኖ ምኽንያታት ኣለዎ። “ንዓይ ከም ትሑዝ ወሲዳ ወይ ንዒቓ ናብ ካልእ ከይዳ፡ ንዓይ ኣይተፍቅረንን እያ፡ ኣይትእዘዘኒን ወይ ኣይትግደሰለይን እያ. . .” ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ኣብ ኣእምሮኡ ሰፊሮም፡ ስምዒታዊን ኮራዪን ክገብሩዎ ይኽእሉ

እዮም። በዚ ኰነ በቲ፡ ምናልባት ‘ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ቈጸራ ደንጉያ ክትርከብ ኣለዋ’ ዝዓይነቱ መሰረት ዘይብሉ ፈሊጥ ይጸልወኪ ከይከውን። እዚ ዓይነት ብሂል፡ ኣብ ፍቕራዊ ጸወታ ጥራይ ዝዝውተር እዩ። ናይ ብሓቂ መናብርቲ ክትኰኑ መደብ እንተ ሃልዪኩም ግን፡ ንስኺ ክትሓልዪሉ ንሱ እውን ክሓልየልኪ እዩ ዝግባእ። እዚ ናይ ዕርክነትኩም እዋን፡ ንሱ

እውን ኣብ ልዕለኺ ትዕዝብቲ ዝወስደሉ እዩ። ኣብ ቆጸራ ክትድንጉዪ ከለኺ፡ ንዕኡ እንታይ ከም ዝስመዖኸ ሓሲብክሉ ትፈልጢዶ? ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ገለ ጉድለታት ክህልዎ ንቡር እዩ። እቶም ተሳንዮም ዝነብሩ፡ ንሓድሕዶም እናተሸፋፈኑን ይቕረ እናተበሃሃሉን እምበር፡ ጉድለት ሓድሕዶም እናጸብጸቡ ኣይኰኑን። ሓደ ካብ ጉድለታትኪ፡ ኣብ ቆጸራ ትድንጉዪ ምዃንኪ ባዕልኺ ገሊጽክልና ኣለኺ። ብዓቢኡ ከኣ፡ ንኣፍቃሪኺ ናብ ኩራ ዝደፍኦ ዘሎ ጠንቂ፡ ካባኺ ዝብገስ ምዃኑ ብገዛእ ርእስኺ ትምስክሪ ኣለኺ። ከም’ቲ ንስኺ ኮራዪ ምዃኑ ዘተሓሳስበኪ ዘሎ፡ ንሱ እውን፡ እቲ ሕጂ ትፍጽምዮ ዘለኺ ባህ ዘየብሎ ነገር ከም ዘተሓሳስቦ ኣይትዘንግዒ። ስለ ዝዀነ፡

ቅድም ንስኺ ክትእረሚ ንላበወኪ። ምስ ኣፍቃሪኺ ድማ፡ ብጋህዲ ተዘራረብሉ። ምናልባት ምድንጓይኪ ምኽንያታዊ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዝሃድኣሉ እዋን ኣረድእዮ’ሞ፡ ካብ ጥርጣረ ናጻ ክኸውን ይኽእል እዩ።

“ብደቀቕቲ ነገራት ኩራ ኣብዚሑ”ጓል 20 ዓመት እየ። ምስ’ዚ ንሓዋሩ ዝደልየንን ኣነ’ውን ዝሓስቦን ወዲ 25

ዓመት ወዲ ካብ እንላለ፡ ዳርጋ ዓመት ቀሪብና ኣለና። ንሱ ኣብ ቆጸራ ዋላ ሓንቲ ደቒቕ ስለ ዘይድንጒ፡ ኣነ’ውን ከምኡ ክኸውን እዩ ዝደልየኒ። እንተ ድኣ ቁሩብ ደንጒየ ድማ፡ ብኹራ እዩ ዝቕበለኒ። ሕማቕ ኣይዛረብን እዩ። ከምኡ’ውን ቀልጢፉ እዩ ካብ ኩራ ዝምለስ። እናሻዕ ምኹራዩ ግን፡ ነቲ ኣብ መጻኢ እነሕልፎ ሂወት ከየበላሽወልና እሰግእ ኣለኹ። ብደቀቕቲ ነገራት ዝኹሪ እንተ ድኣ ኰይኑ፡ ሓዳር ምስ ገበርና እውን ዝገደደ ከየሸግረኒ የፍርሓኒ ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ምናልባት ብሓንሳብ እንነብረሉ ኣጋጣሚ እንተ ተፈጢሩ፡ ቅድሚ ሓዳር ምግባርና፡ ብኸመይ ተረዳዲእና ክንፈትሖ ንኽእል?

ሰሳይት ካብ ባጽዕ

Page 6: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 6

ማታንያን ጓሉንብጆሜ/ ደጀን ተኽለ

ዴማስ ዝኣለሞ ውዲት ከም ዝሓሰቦ ስለ ዝኾነሉ ፍርሕን ስክፍታን ቅንጥጥ ኢልሉ እናፋጸየ ጃልብኡ ይመርሕ ነበረ። ‘ንመን ከስምዕ ደኣ’ዩ እዚ ለኽባጥ ወዲ ኤልያብ ዝተዛረበ? ናይ ብሓቂ ድዩ ክዘርየለይ ሓሲቡ፡ ምሽሙሽ!’ በለ ብስምዒት። ‘ካብ ሲኦል ዘውጽእ ሓይሊ ከም ዘለኒ ኣይፈለጠን። ውጹዕ ተመሲለ ቅጫይ ኣብሲለ ዓወትን ጅግንነትን ከም ዝተጓናጸፍኩ ኣበይ ኢልዎ። ነታ ክትረኽባ ምስ ኣቦኣ ወስለኽለኽ ትብለላ ዝነበርካ ኤልፋዝ ኣብ ሕቚፈይ ኣትያ ተማሙቖኒ ከም ዘላ’ሞ ኣበይ ፈሊጥካዮ” ኣብ ማእከል ባሕሪ ሰሓቐ። ኣብ ውሽጡ ሓጐስ ኣዕለቕሊቑ ካብ ጃልብኡ ወሪዱ ብጉያ ናብ ቤቱ ኣምርሐ። ኣዒንቱ ብዝራኣይኦ ክኣምና ኣይክኣላን። ስጉሙ ደው ኣቢሉ ከባቢኡ ተዓዘበ። ደፋር ነብሱ ኣብ ሽዑ በጺሓ ፍርሒ ወሪርዋ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ከይትወድቕ ደጋጊሙ ጸለየ። ‘መን ከም’ዚ ክገብር ይኽእል? መን’ከ ናብ’ዚ ክመጽእ ይኽእል?’ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ንነብሱ እናሓተተ መሳልል ደይቡ “እዚ ሰብ ዘጽንዐ ክኸውን ኣለዎ። ነዛ ጓል ክቐትላ እንተዘይክኢለ ኩሉ ጉደይ ክቕላዕ’ዩ። ኣብዚ ከባቢ እንከላ ከቃብጻ ኣለኒ፡’ ኢሉ ካብ ቤት ብጉያ ወጺኡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሓዊ ኣጒዱ ትኪ ዒግ ኣበለ። ትኪ ዝረኣዩ ገፈፍቲ ዓሳ ሓገዞም

ከበርክቱ ወዋኒኖም ረጥሪጦም ናብቲ ትኪ ዘለዎ ቦታ በጽሑ። ዴማስ ነቶም ዝኸበብዎ ነበርቲ’ታ ደሴት “ኣብ’ዚ ከባቢ ሸፋቱ ርእየ ኣለኹ። ሰለይቲ ናይቶም ኣሰርትና ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ ኣድቂቕና ብምፍታሽ ክንቀትሎም ኣለና፡” በለ። እቶም ነበርቲ ድማ ካርኦምን ሴፎምን ብምምዛዝ ጐኒ ጐኒ እናተሓላለው ናብ ጣሻ ኣተው። . . .እተን ብዘይካአን ዝነብሮን

ዝደፍሮን ከም ዘየለ ዝኣምና ዕስለ ወዓግ፡ ነቶም እናተሃንደዱ ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት ካብ ገረብ ናብ ገረብ እናዘለላ ምእታው ከልአኦም። ኲናት ዕስለ ወዓግን ሰብን ጻዕጽዐ። ጫካ ኸኣ ብዋጭዋጭታ ተናወጸት። . . .ኤልፋዝ፡ ነቶም ዝተኣከቡ ሰባት

ርእያ፡ “ባባ እዚ እከይ ናብ ሸፋቱ ክሸጠኒ ሓሲቡ ነይሩ ማለት’ዩ፡” በለት።ማታንያ፡ “እዘን ወዓግ

11 ክፋል

መሓዙተይ’የን። ኣሕሊፈን ናብ እከያት ድማ ኣይህባናን’የን፡” በለ ፍርሂ ከይስምዓ ብምስጋእ።ኤልፋዝ፡ ኩነታት እቶም ሰባት

ንጥፍኣቶም ዘንቀደ ምዃኑ ኣይዘንግዓቶን። “ባባ ብጉያ ከርክቡና ስለ ዝኽእሉ ኣብ’ዛ ዕምርቲ ሓረግ ንተሓባእ፡” በለቶ። ኣብ ሓሳባ ተሰማሚዖም ድማ ኣብ ውሽጢ ተሓብኡ። . . .ሕርቃኖም ክጻወርዎ ዘይክኣሉ

ገፈፍቲ ዓሳ ዘሊለን ነንዝመጽኦም ኣህባይ ብሴፍ ክሳደን እናመንጠሉ ብዙሓት ኣውደቑ። “እዚ ረኣይዎ መዕረፊኦም’ዩ ማለት” በለ ዴማስ። እታ እናመረረት ትመጽእ ዝነበረት ጸሓይ ኣንጻሮም ዝዓጠቐት ክትመስል ለብለበቶም። ግን ንምረት ጸሓይ ከይተገደሱ ክሳድ ጸላእቶም ክቕንጽሉ ጥራይ ሃሪፎም ነበሩ።“ኣብዚ ገለ’ሎ” በለ ሓደ ካብኣቶም

ናብ’ታ ዕምርቲ ብሓረግ ዝተሸፈነት ገረብ ደኒኑ እናጠመተ። ኩሎም ድማ ሓረግ ቀንጢጦም ነቶም ኣብ ውሽጡ ተሓቢኦም ዝነበሩ ሰባት ኣውጽእዎም። ሓቂ ካብ ሕቘፊ ኣዲኡ ወጺኡ “ባባ” ብምባል ናብ ዴማስ ተሓቑፈ። ክሳድ ክምንጥሉ ሴፎም ከወጣውጡ ዝጸንሑ ገፈፍቲ ዓሳ ኢዶም ስሒቦም በቲ ኩነታት ተገረሙ። ‘እዛ ጉዳይ ዓቢ ምስጢር ኣለዋ። ሸፋቱ ዘይኰኑ ሕዩራት’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ። ንደገ ዝወጸ ሕሰሞምን ቃንዝኦምን ምስክር’ዩ። እግሮም’ኳ ጫማ ዘይብሉ፡” በለ ኣቢሰሎም ናብ ሓው እናጠመተ። “እዚ ቈልዓ ኣቦኡ መሲልካዮ ካብ ተሓቑፈካ ምሳኻ ሓዞ። እዞም ሰባት ግን ዋጋ እከይ ተግባራቶም ግቡእ ፍርዶም መታን ክረኽቡ ናብ ንጉስ ንውሰዶም፡” በለ። ኩሎም በቲ ሓሳብ ተሰማሚዕም ናብ ንጉስ’ታ ደሴት ከዱ። . . .‘ለባም ኢለ እምሕለልካ ከም

ዘይነበርኩስ ዓሻ ዝሓስቦ ሓሳብ ሓሲብካ ወዲ ኤልያብ። መሲሉካ’ምበር ካብ ዝነበርናዮ ዝኸፍኣና ኣይኰነን። እንቋዕ ጥራይ ገጽ’ዛ ምጭውትን ብርሃንን ጓለይ ረኣኹ’ምበር፡ ጽባሕ ሒዛቶ ትመጽእ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ክህሉ’ዩ። ተስፋና ዝጽንቀቕ ዘይኰነስ ፈልፋሊ’ዩ’ በለ ምስ ነብሱ ማታንያ።ኤልፋዝ፡ እቶም ኩሎም

ኣብ ቅድሚኣ ዝነበሩ ኣጓብዝ ትፈልጦም’ያ። ብጽባቒኣ ሃነን

ዝብሉን ዝምነይዋን’ዮም። ብዝወፈረቶ ዝወፍሩን ኣብ ከባቢ ቤታ ዕግሽግሽ እናበሉ ንኽዛረብዋ ሃረር ዝብሉ ዝነበሩ’ዮም። ኣነ ኤልፋዝ’የ እንተትብሎም ኣብ ገጽ ነፍሲ-ወከፎም እንታይ ምተነበ ክትግምቶ ኣጸገማ። ንሶም ግን ምጭውቲ ከላ’ምበር ከም’ቲ ዝነበረቶ ተበላሽያ ስለ ዘይፈልጥዋ ከለልይዋ ኣይክኣሉን። ‘ኣቢሰሎም፡ እንታይ ደኣ ወሪድካ? ብድሕሬና ኣሳሳዪ ክፍኣት ዴማስ ዲኻ ኴንካ?’ በለት ብልባ ካብኡ ክወጽእ ዘይትጽበዮ ዘረባ ምስ ሰምዐት። . . .ንጉስ ጉዳይ ንምስማዕ ኣብ

ቅድሚ’ቶም ብዴማስ ዝተመርሑ ገፈፍቲ ዓሳን ኢዶም ዝተኣስሩ ጓልን ሰብኣይን ኮፍ ኢሉ ነበረ።“እዞም ሰባት ንዓይ ዘእሰሩ

ሸፋቱ’ዮም። ንኣማሌቅ ዓርከይ ድማ ኣቕቲሎምዎ። ኣብ’ዛ ሓጻር ግዜ ጭካንኦም ዘርዚርካ ዝ ው ዳ እ ኣይኰነን

ንጉስ። ን እ ከ ይ ተ ግ ባ ር ም ዝበቅዕ ፍርዲ’ዉን የለን። ክቡር ንጉስ ፍርዶም ናባኹም እገድፎ፡” ኢሉ ርእሱ ኣብ ምንቕናቕ ተጸምደ ዴማስ።“ኣብዚኣ” ኢሉ ኢዱ ኣወጣወጠ

ኣቢሰሎም።“እዚ ክብሎ ዝጸንሐ እኹል’ዩ፡

” ኢሉ ንጉስ ንኣቢሰሎም ሓሳቡ ንኸፍስስ ዕድል ከልኦ። . . .ኣብ ሞንጎ’ቶም ጎን ጎኒ ዝኸዱ ዝነበሩ

ኣሕዋት ከቢድ ስቕታ ሰፊኑ ነበረ። “ምስጢር ኣሎ ኣነ ዘስተብሃልኩሉ። ከመይ ኣቢሉ እቲ ቈልዓ ባባ ይብሎ? ምስጢር ኣሎ ኣብዚ! ምስጢር እከይ ተግባራት፡” በለ ኣቢሰሎም ደቀቕቲ ዝመስሉ ፍሩያት ምስጢራት ስለ ዘስተብሃለ። “እሞ ቀስ ገይርና ንንጉስ ከነረድኦ

ንኽእል እኮ ኢና። ሓቂ ብሰላሕታ እናደየበት’ያ ንሓሶት ትደብያ። ሓሶት ግን በንጻሩ’ያ ቅልጥፍ ኢላ ንሓቂ ትቐብራ። እከይ ኢድ ዴማስ ከም ቀደማ ኣይተፈለጥኩን ኢላ ኣብ ክፉእ ተግባራት ተኣሊኻ ከላ ኢድ ብኢድ ክንሕዛ ኢና።” በለ ፊልሞና።ኣቢሰሎም ጸር ጸር እናበለ፡ “ሓቂ

ክትድፈን እናራኣና ስቕ ክንብል

ኣይኰናን። መስዋእቲ ከፊልና ንዝጋረዳ መጋረጃ ጸላም ክንቅንጥጦ ኣለና። ኣብ’ታ ዘለውዋ ጉድጓድ ኣትየ እታ ቀንዴል ሓቂ ክውልዓ’የ፡” ኢሉ ሴፍ መዚዙ ቤትሮ ናይ ሓንቲ ቤት መግቢ ሰበረ። ብወተሃደራት ተታሒዙ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። . . .ድሕሪ ውሑድ ሰዓታት እቲ

ዓቢ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ዓቐቕ ኢሉ ተኸፍተ። ሓደ መንእሰይ ድማ ንውሽጢ ኣተወ። “እዚ ቈልዓ ደሓን’ዶ ኣይኰነን? ኣብ’ዚ ቦታ’ኸ እንታይ ክገብር ኣትዩ? ሓሳዊ ድዩ ኮይኑ? እዚ ግዜ’ምበር ከፊኡ። ትኣምኖ ሰብ’ከ ወደይ ይኸፍኣካ ድዩ?” ምስ ነብሱ ተዛረበ ማታንያ።ኣቢሰሎም ብዓይኑ ሰሪቑ ናብቲ

ጫካ ዝመሰለ ርእሱን ገጹን ኣተኲሩ እናጠመተ ‘እዚ ሰብኣይ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ምስጢር ባሕሪ’ውን ዝጸሮ ኣይኰነን። ጫማ የብሉ ክዳን ከመይ ኢሉ ሽፍታ ይኸውን? በዓል ክፉእ

መ ጋ ብ ር እንተዝኸውን’ውን

ክንሕዞ ከለና ኣብ ነብሱ ፍርሂ ምተዘርአ። እታ ጓል’ውን

ብሽግር ተባላሽያ ኣብ ገጻ ሕሰም ኣሎ። ዝተሓላለኸ ዝመስል ግን ከኣ ብሩህ ሓቂ ኣስተብሂለ ኣለኹ። ዴማስ ኣበይ ቦታ ከም ዝተኣሰርኩ ኣይፈልጦን’የ እንዶ ኣይበለናን። ከመይ ገይሩ ደኣ ሕጂ ፈሊጥዎ? ብዙሓት ኣብ ጥርጣረ ዘውድቕዎ ዘየስተውዓለሎም ግን ከኣ ዝሓዋወሶም ዘረባታት ኣለው’ በለ ምስ ነብሱ። . . .ኤልፋዝን ማታንያን ካብ መጻወድያ

ጨካናትን ጫካን ወጺኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝዳጎኑ ሓደ ሰሙን ሓሊፉ ነበረ። ማታንያ ምስ ጓሉ ኣብ ጸሓይ ጽልዋ

ንቕሩብ ደቓይቕ ከዕልሉ ዕድል ይረኽቡ ነበሩ። “ኣጆኺ’ዛ ጓለይ ሓቂ ኣብ መዓልታ’ያ ትወጽእ። እቲ ዝዓበየ ሰጊርና እቲ ዝነኣሰ ሽግር’ዩ ተሪፉና ዘሎ። ንኹሉ ነናቱ ግዜ ኣለዎ። እቲ ኣብ ግዜኡ ዝመጽእ ዓወትን ኣብ ግዜኡ ዝቕንጠብ ፍረን መቐረቶም መወዳድርቲ የብሉን፡” እናበለ የተባብዓ ነበረ። . . .ኣቢሰሎም ኣብ ገጹ ናይ ድንጋጸ

ምልክት እናተነበ ምስጢር ናይ’ቲ ጉዳይ ንምፍላጥ ኣመና ተረቢጹ ነበረ። ነቲ ጨሓምን ጨጓርን ሰብኣይ በብቕሩብ ክቐርቦ ንሱ ክርሕቕ ተረባረቡ። ሓደ ምሸት ግን ንባህጉ ዘስምር ክስተት ተኸስተ። ብዝረኸባ ዕድል ሰሊዂ ብምእታው ኣብ ጎኑ ኣምሰየ። ኩሉ ሰብ ምስ ደቀሰሎም፡ ነቶም ገጽ ዝኸልእዎ ኣቦ ምቕልል ኢሉ “ይሕሸኩም’ዶ ኣሎ” በሎም።“እወ ደሓን’የ” በሎ ማታንያ ገጹ

ናብ ካልእ ጠውዩ ገጽ ክህቦ ስለ ዘይደለየ። “ኣቢሰሎም እበሃል፣ መን ክብል

ንስኹም? ኢሉ ሓተቶ።“ኣጸቢቐ እፈልጥ ወዲ ኤልያብ

ምዃንካ” ቅጭ መጺእዎ ብላዕሊ ኮነሉ ማታንያ።“መን ዲኻ?” ስንብድ ኢሉ ሓተተ

ኣቢሰሎም ይፈልጠኒ’ዩ ዝብል ግምት ስለ ዘይነበሮ።

“መንነተይ ንምንታይ ደሊኻዮ? ንኽእሰር ሓሳብ ዘቕረብካ ከም ዝኾንካ ዝረሳዕካዮ ትመስል ኣለኻ፡” ወሰኸ ማታንያ።ኣቢሰሎም ቅልጥፍ ኢሉ፡

“እወ” በለ። “ሸፋቱ’ዮም ስለ ዝበለና ዴማስ ኣብኡ ክንቀትለኩም ኢና መዲብና ኔርና። እቲ ቈልዓ

ባባ ምስ በሎ ግን ኣብ መንጐኹም ምስጢር ከም ዘሎ ገሚተ ኣመሳሚሰ ኣብዚኣ ከምጻኩም’ሞ ንንጉስ ኩነታትኩም ኣስፊሐ ክገልጸሉ’የ ሓሲበ ነይረ። እንተዀነ ግን ንጉስ ንሓሳበይ ከይሰምዐ ብቓል ዴማስ ደምደመ። ዝጠጠርክዎ ተርእዮ ከብርህን ከቃልዕን ስለ ዘይክኣልኩ ሓቂ ንምርካብን ንምፍላጥን ብድሌተይ ገበን ፈጺመየ ኣብ’ዚ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ዘለኹ።”ኣብ ሓሳብ ጥሒሉ ጽን ኢሉ

ክከታተሎ ዝጸንሐ ማታንያ ብልቦና’ቲ ዝምክሓሉ ዝነበረ ኣቢሰሎም ተሓበነ። “ሕቖፈኒ ሃብሮም ወደይ። ብልቢ ተቐይመልካ’የ ነይረ። ክፋእ ዴማስ ዝውዳእ ኣይኰነን። እቲ ቈልዓ ካብ ጓለይ ዝወለዶ’ዩ። ንዓይ’ውን ምስ ኣማሌቅ ኰይኖም ተመሻጢሮም’ዮም ናብ ማእከል ባሕሪ ደርብዮምኒ - ድራር ዓሳታት ክኸውን። ሓቂ ግን ኩሉ ግዜ ምስ ውጽዓት ስለ ዝዀነት እነሀለና ንዓመታት ተፈላሊና ዝነበርና ተራኺብና፡” በለ ብጭሕሚ ዝተሸፈነ ገጹ እናደረዘ።ኣእዛኑ ንዝጽዕረሉን ዝደኽመሉን

ንዝነበረ ጉዳይ ስለ ዘበስርኦ ንምርግጋጽ “መን ዲኻ?” ደገመ ኣቢሰሎም።“ማታንያ’የ” ኢሉ መለሰ።ኣቢሰሎም፡ እሱር ምንባሩን ለይቲ

ምዃኑን ረሲዑ ብጭዳረ ካብ ዝነበሮ ብድድ ኢሉ ንማታንያ ተጠምጢሙ ሓቖፎ። እታ ለይቲ ንዖኦም ኢላ ከም ዝተፈጥረት ድማ ሰለም ከየበሉ በቲ ዝሓለፈ ኩነታት ወጃዕ ክብሉ ሓደሩ።

ይቕጽል

Page 7: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 7

ዓብደልቃድር ኣሕመድ

“ወላዲተይ ንጽህቲ ማልክ ካብ ኣቦኣ ኣቶ ማልክ ገብረክርስቶስ፡ ኣደኣ ወይዘሮ ትብለጽ ወልደንኪኤል ኣብ ከባቢ ከረን እትርከብ ሃገር ኣብ እትብሃል ንእሽቶይ ቁሸት ተወሊዳን ዓብያን። ኣብ 1982 ድማ ንሃገረ ሱዳን

ንስደት ኣምሪሓ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1990 ስድርኣ ክትርኢ እንደገና ናብ ዓዳ ተመሊሳ ነይራ፡” ክትብል’ያ ዕላላ ትጅምር መንእሰይ ራሜል። “ብድሕሪ’ዚ ደሃያ ብሰበሰብ

ደኣሉ እምበር ንፈልጥ ኔርና ኢና። ቈልዓ ከምዝወለደት’ውን ፈሊጥና፡” ይውስኽ ሓዋ ኣቶ ግርማይ ማልክ።ንሱ ብተወሳኺ፡ “እቲ ድሒሩ

ዝረኸብናዮ ወረቐት ጥምቀት ናይዛ ቈልዓ ከም ዘረጋግጾ ከኣ፡ ወላዲታ ኣብ 1993 ሓዳር ከም ዝገበረት ብ28 ጥሪ 1994 ድማ ነዛ ቈልዓ ከም ዝተበኮረትን ብ25 መጋቢት 1994 ድማ ከም ዝተጠመቐት የረጋግጸልና፡” ይብል። ህጻን ራሜል ጌና ኣብ ማህጸን

ኣደኣ ጓል ሸውዓተ ወርሒ እንከላ’ዩ ኣቦኣ ኣቶ ብርሃነ ፍስሃየ ካብ ሱዳን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣምሪሑ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ወ/ሮ ንጽህቲ’ውን

ብጽኑዕ ስለ ዝሓመመት ክትስዕቦ ኣይከኣለትን። ኮነ ከኣ ኣብ 1998 ድሕሪ ናይ 16 ዓመት ስደት ኣብ ሱዳን፡ ናብታ ንነዊሕ ዓመታት ተፈልያታ ዝጸንሐት ሃገራን ዝገደፈቶም ስድራኣን ጠቕሊላ

ተመሊሳ። ይኹን’ም’በር፡ ሕማም ንጽህቲ ክብደት ስለዝነበሮ ናብ ዓዳ ተመሊሳ ንዕሸል ጓላ ከምቲ እትምነዮ እናኣሐንቀቐት ከተዕብያ ዝከኣል ኣይነበረን። ብሕዱር ሕማም ንኣርባዕተ ዓመት ድሕሪ ምስቓይ ከኣ፡ ኣብ 2002 ነታ ገና ህጻን ዝነበረት ጓላ ምስቲ ኣብ ርሑቕ ስግር ባሕሪ ዝነብር ወላዲኣ ከየላለየታ፡ ግቡእ ኣድራሻኡ ከይሃበታን ኣቦ ኮይኑ ዝእብድ ወላዲ ከየረጋገጸትላን ብሞት ተፈልየታ።ንጽህቲ፡ ኣብ ኣጋ ሞታ ንስድራኣ፡

“ጓለይ ብጽቡቕ ኣዕብዩለይ፡ እቲ ዝዓበየ ድማ ምስ ስድራ ኣቦኣ ከም እትራኸብ ግበሩ ሓደራ፡” ክትብል ተላብያቶም ነይራ’ያ። ብመሰረት ለበዋኣ ከኣ እቶም ስድራ፡ ነታ ብሓደራ ዝሓደገትሎም ቈልዓ፡ ‘መን የዕብያ?’ ዝብል ሕቶ ከም ቀዳማይ ምርጫ ብምውሳድ፡ እቲ ዝሓሸ

ምሕጽንታ ራሜልሄርሞን መኮነን

ምስ ሓትኖኣ ወ/ሮ ርግበ መልከ ክትቅመጥ ብምስምማዕ ናብ ዒላ-በርዕድ ሰደድዋ። ናይ ነገር ኣጋጣሚ ድማ ሓትኖኣ ጓል ስለ ዘይወለደት ንሳን ስድራኣን ከም ሓንቲ ጓሎም ጌሮም ብጽቡቕ ከም ዝሓብሓብዋ’ያ ራሜል ትገልጽ። ራሜል፡ ዕድመ ትምህርታ ምስ

ኣኸለ ከም ኩሎም መሳቱኣ ፍልጠት ክትቀስም ናብ ትምህርቲ ተበገሰት። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቦርዲን ዒላ-በርዕድ ተመዝጊባ ድማ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ተኸታተለት። ስድራ ንጽህቲ፡ ነታ ካልኣይቲ ለበዋ ንኸተግብሩ ተበግሶታት ወሰዱ። ብሓደራ ንዝተገድፈትሎም ህጻን ምስ ስድራ ኣቦኣን ብዓቢኡ ከኣ ምስ ኣቦኣ ንምርኻብ ከጣይቑን ሓበሬታታት ክእክቡን ተዋፈሩ። ኣድራሻ ወላዲኣ ንምፍላጥ ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ ግዜ ከኣ፡ ብፍላይ ንጽህቲ ኣጋ ሞታ ብዛዕባ ኣቦ ራሜል ዝሃበቶም ሓበሬታ ከም መጀመሪ መስርሕ ናይቲ ምንዳይ ተጠቕሙላ። ንንጽህቲ ኣብ ዝተወከሱሉ ግዜ፡ ዓዱ ወኪድባ ምዃኑ ስድራኡ ድማ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝቕመጥሉ ዝነበሩ ኣስመራ - ጎዳይፍ ከም ዝኾነ’ያ ኣዘንትያትሎም። ዝያዳ ንምብራህ ድማ ኣቦኡ ኣቶ ፍስሃየ መዋቲ፡ ኣደኡ ግን ህልውቲ ኮይና ብቐጻሊ ናብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ደቃ ትመላለስ ምንባራ ጥራይ ከም ትፈልጥ’ያ ዝገለጸትሎም። ****ራሜል፡ እቲ እትመሃረሉ ቤት

ትምህርቲ ቦርዲን ካብ ሻምናይ ክፍሊ ክቕጽል ስለ ዘይክእል፡ ኣብ ሕቑፎ ሓትኖኣ ኮይና ትምህርታ ክትቅጽል ጀመረት። ክሳብ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ብምቕጻል ከኣ ግቡእ ሃገራዊ ኣገልግሎታ ንምፍጻምን ቀጻልነት ትምህርታ ንምርግጋጽን ኣብ መበል 27 ዙርያ ናብ መዲና መንእሰያት ሳዋ ኣምረሐት።ራሜል ቅድሚ ሳዋ ምውራዳ

ደሃይ ኣቦኣ ንምፍላጥ ብዙሕ ከም ዘይተገደሰት’ያ ትገልጽ። ድሕሪ

ወይዘሪት ራሜል

ወለዲ ራሜል

ሳዋ ምውርዳ ግን፡ እቲ ኣብ ውሽጣ ተዓቢጡ ዝጸንሐ ወላዲኣ ናይ ምርካብ ሃንቀውታ ከምዝተበራበረ ትገልጽ። ስድራ ንጽህቲ፡ ነቲ ንሽወደን

ዝጉዓዝ ደሃይ ኣቦ ጓል-ጓሎም ንምፍላጥ ኣብ ሱዳን እንከላ ንንጽህቲ ዝሰደደላ ኣድራሻ ጌሮም ብደብዳበን ብሰበሰብን ክሓቱ ፈተኑ። መልሲ ግን ወይከ..ኣቶ ብርሃነ ነዚ ኣመልኪቱ፡ “ኣብ

ሱዳን እንከላ ቅድሚ ምሕራሳ 100 ዶላር ምስ ሓረሰት ድማ 50 ዶላር ኣሰንዩ፡ ጓሉ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክትጥመቕ ዝሕብር ብስም ኣድራሻ ሓዉ ፍረዝጊ ፍስሃየ መልእኽቲ ካብ ሽወደን ሰዲዱላ

ኔሩ። ብኣድራሻ ሓዉ ምስዳዱ እቲ ምኽንያት ኣይብርሁን’ዩ። ምናልባት ግን፡ ኣብቲ ሃገር ጋሻ ሰለ ዝነበረ ክሳብ ቀዋሚ ኣድራሻ ዝሕዝ ኢሉ’ዩ ክኸውን ዝኽእል፡” ድማ ይብል። ራሜል ብወገና ሓደ ካብቲ

ብዕድመ እናወሰኸት ምስ ከደት ብቐዳምነት ዘጋጠማ ሕቶ መንነት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “ንኣብነት ኣብ 2012 ወረቐት መንነት ከውጽእ ንዝምልከቶ ኣብያተ ቤት ጽሕፈት ምስ ተወከስኩ፡ ንሕቶ ወለደይ ብቐረባ ብፍላይ ድማ ናይ ኣቦይ ክምልሶ ኣይከኣልኩን፡” ትብል። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምስ ኣኮኣ ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ዞባ ዓንሰባ ብምምጻእ፡ ብዓምዲ ገጻት ሂወት ተሓጊዛ ደሃይ ወላዲኣ እንተረኸበት ታሪኻ ኣዕሊላትና። ራሜል ከም መረጋገጺ ሒዛቶ

ዝቐረበት ሰነዳት ናይ ጥምቀታ፡ ስእሊ ናይ ክልቲኦም ወለዳን ኣቦኣ ኣብ ሽወደን ኮይኑ ዝሰደዳ ሰታሪት (ደብዳበ) እዩ።ራሜል፡ ወላዲኣ ንምርካብ ዘለዋ

ሃንቀውታ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ኩሉ ክተሓባበራን ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ናይቲ ተጠቒሱ ዘሎ ዓዲ ወላዲኣን ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ መታዓብይቲ ኣቦኣ ክተሓባበርዋ ለበዋኣን ምሕጽንታኣን ተመሓላልፍ።ኣቶ ብርሃነ ፍስሃየ ካብ ሽወደን ዝለኣኻ ሰታሪት

Page 8: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 8

n

ሳሙኤል ገብረብርሃን

ኣብ ካናዳ እትሕተም ጋዜጣ ‘ናሽናል ፖስት’ ብዝበለቶ መሰረት፡ “ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ካናዳ ዝርአ ዒግታ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ድኻም ልቢ ከለዓዕል ይኽእል

‘ዘ ቶሮንቶ ስታር’ ከም ዘመልከተቶ፡ “ብሰብ ሞያ ሕክምና ዝወሃብ ሓሳባት ካብ ሽዱሽተ ሰባት ሓደ ምስ ሳእኒ እተተሓሓዘ ከቢድ ናይ እግሪ ጸገም ከም ዘለዎ ይሕብር።” ቃንዛ ብርኪ፡ ዘሕምም ጎሎ፡ ቃንዛ ሕቘ፡ ከምኡ’ውን ሕማም ርእሲ ነቲ ወዲኻዮ ዘለኻ ሳእኒ ንኽትርኢ ዝሕብር ምልክታት ኢዩ። ስታር ከም ዝበለቶ “እቲ ክትዝክሮ ዘሎካ ቀንዲ ነገር፡ ሳእኒ ቀስ እናበለ ምስ እግርኻ ኣይሰማማዕን ኢዩ። እግርኻ ኢዩ ቀስ ኢሉ ምስቲ ሳእኒ ዝሰማማዕ። ሳእኒ ምስ እግርኻ ክሰማማዕ ኢልካ ኣይትዓድግ። ኣብቲ ድኳን ከለኻ ዘይምቹእ እንተዀይኑ ኣይትዓድጎ።

ወድምቢ (GNU) ንጸላኢኡ ንምድንጋር ኣራእሱ ንየው ነጀው እናኣወዛወዘ ሽው ኢሉ ይጐዪ እሞ፡ ምልስ ኢሉ ናብ ጸላኢኡ ገጹ ይጓዓዝ። ኣእጋሩ እናሸንድሐ ይዘልል። በዚ ድማ ዘስሕቕ ትርኢት ኢዩ ዝፈጥር። እቲ ሕሱም ኣራዊት እውን ከይተረፈ ነዚ ዘይልሙድ ሳዕስዒት እዚ ምስ ረኣየ ደንጽይዎ ደው ኢዩ ዝብል። እቲ ኣራዊት ስቕ ኢሉ እንተደኣ ቀሪብዎ፡ እቲ ወድምቢ ነዚ ትርኢት እዚ ይደጋግሞ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ነቲ ኣራዊት ምድንጋር ስለ ዝፈጥረሉ ምህዳኑ ገዲፉ ክሳዕ ምኻድ ከብጽሖ ይኽእል ኢዩ። እዚ ጠገለ ዘይብሉ ሳዕስዒቱ ኸኣ ወድምቢ ውሩይ ተዋሳኢ ጐላጕል ከም ዝበሃል ገይርዎ ኣሎ።እቶም ዝነኣሱ ዓሌት ወድምቢ

ዝዀኑ ኢምፓላ ብዝላኦም መጠን ድቃስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ

ይፈላለ እዩ። መብዛሕትኦም ናጽላታት ኣብ መዓልቲ ካብ 16 ክሳዕ 18 ሰዓት፡ ካብ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም እግሪ ተኽሊ ዳርጋ 14 ሰዓት፡ ደቂ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ኣስታት 11 ወይ 12 ሰዓት እዮም ዚድቅሱ። ቈልዑ መብዛሕትኡ እዋን 10 ሰዓት፡ መንእሰያት 9 ወይ 10 ሰዓት፡ ዓበይቲ ድማ ካብ 7 ክሳዕ 8 ሰዓት ይድቅሱ።እኹል ድቃስ፡ ናይ ግድን ኣድላዪ

እዩ። ምሁራት ከም ዝብልዎ፡ እኹል ድቃስ ነዚ ዝስዕብ መዳያት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፦• ቈልዑን መንእሰያትን ንኽዓብዩ።• ሓድሽ ሓበሬታ ንኽትመሃርን

ንኽትዝክርን።• እቶም ንመግቢ ናብ ጕልበት ከም

ዝቕየር ዝገብሩን ንኽብደትካ ዝቈጻጸሩን ሆርሞናት ብሚዛናዊ መገዲ ንኽዓዩ።• ጥዕና ልብኻ ንኽትሕሉ።• ሕማም ንኽትከላኸል።እኹል ድቃስ ዘይምድቃስ፡ ምስ

ኣመና ምርጓድን ምስ ጭንቀትን፡ ምስ ሕማም ልብን ምስ ሽኮርያን ሞት ከስዕብ ምስ ዝኽእል ሓደጋታትን እተተሓሓዘ እዩ። ስለዚ፡ እኹል ድቃስ ክሳዕ ክንደይ

ኣብ ናይ ሲመን ፍራንሰር ዩኒቨርሲቲ፡ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ካናዳ፡ ተመራማሪ ኰይኑ ዝሰርሕ ብረንት ስታፎርድ ብመሰረት ኣብቶም ናይ ቪዲዮ ጸወታታት ዘዘውትሩ 600 መንእሰያት ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ መብዛሕትኡ ጸወታታት “ንደቅና ብሃስያ ባህ ከምዝብሎም ገይሩ ዘለማምዶም ኢዩ” ብምባል የጠንቅቕ። ማክሊንስ እተባህለት መጽሔት ድማ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ትህብ፡- “ገለ ካብቶም እቲ ኣዝዩ ዓመጽ እተሓወሶ ጸወታ ዝጻወቱ ኣብ ሓንቲ ምሸት ዳርጋ 1,000 ‘ተዋሳእቲ’ (ኣብቲ ሺድዮ ዘለዉ ምስሊ) ‘ይቐትሉ፡’ ዝበዝሕ ግዜ ኸኣ ደም ምፍሳስ ዘለዎ ኰይኑ ብሓቂ እተፈጸመ ኢዩ ዝመስል።” ዓመጽ እተሓወሶ ናይ ቪድዮ ጸወታታት ንስምዒት እቲ ተጻዋታይ ዘለዓዕል ከምኡ’ውን ንኣእምሮ ንኣሽቱ ኣደንዚዙ ናብ ዓመጽ፡ አረ ናብ ምቕታል እውን ከይተረፈ ከም ዝኣትዉ” ዝገብር ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ሰኒዱ ኣሎ። እቲ ናይ ቪድዮ ጸወታ ዘዳሉ ትካል ኣብ ዓመት 17 ቢልዮን ዶላር ዘእቱ ኢዩ። እዚ ከኣ “ካብቲ ፊልምን ተሌቪዥንን ብሓባር ኰይኑ ዘእትዎ እቶት ዝዓቢ ኢዩ።” ደቆም እንታይ ዓይነት ጸወታ ከም ዝጻወቱ ከምኡ’ውን ንዝዀነ ይኹን ዝርአ ሓደገኛ ዝንባለ ንምዕራይ ንቑሓት ክዀኑ ስታፎርድ ንወለዲ ይምሕጸኖም። ንስማዕ እስከ በሉ!!

እተፈልጡ ኢዮም። ንመብዛሕትኦም እዚ ልዕል ኢልካ ናይ ምዝላል ባህሪኦም ግርማን ፍጥነትን ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ፡ እዚ ዓይነት ዓጋዘን እዚ ሽግር ከጓንፎ ከሎ እቲ ክሃድኖ ኢሉ ዝመጸ ኣራዊት ብኣእጋሩ ምእንቲ ከይሕዞ ናይ ምዝላል ክእለቱ ይጥቀም ኢዩ።

ወድምቢ (GNU) ካብ ሃደንቱ ብከመይ የምልጥ?

ኣገዳሲ ምዃኑ ንጹር እዩ።እሞኸ፡ እኹል ድቃስ ዘይትድቅስ

እንተደኣሊኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል?• በብመዓልቱ እትድቅሰሉን

እትትንስኣሉን ውሱን ሰዓት ይሃሉኻ።• መደቀሲኻ ረብሻ ዘይብሉን

ጸልማትን እተዛነየን ይኹን፣ ኣመና ሙቐት ዝበዝሖ ወይ ከኣ ኣመና ዛሕሊ ዘለዎ ክኸውን የብሉን።• ኣብ ዓራትካ ዄንካ ተለቪዥን

ኣይትርአ፣ ወይ እውን ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣይትጠቐም።• ብእተኻእለካ መጠን ንዓራትካ

ምቹእ ግበሮ።• ቅድሚ ምድቃስካ፡ ክኸብደካ

ዚኽእል መግቢ ኣይትብላዕ፣ ካፈይን ዘለዎ መስተን ኣልኮላዊ መስተን ድማ ኣይትስተ።• ነዚ እተጠቕሰ ምኽሪ ድሕሪ

ምትግባርካ እውን እንተዀነ፡ ድቃስ ትስእን እንተዄንካ፡ ወይ ቀትሪ ኣመና ትፈዝዝ እንተዄንካ፡ ወይ ደቂስካ ከለኻ ትንፋስ ዝሓጽረካ እንተዀይኑ፡ ወይ ከኣ ካልእ ምስ ድቃስ ዝተሓሓዝ ሕማም ዘሸግረካ እንተዀይኑ፡ ክኢላ ብዓል ሞያ ጥዕና ከተማኽር ኣሎካ።

ኣገዳስነት እኹል ድቃስ

ኢዩ።” ዒግታ ኣዝዩ ደቂቕ ብዓይኒ ዘይርአ ዝብክል ንጥረ-ነገር ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ንጥረ-ነገራት እዚ ከኣ ብቐዳምነት ካብ መካይን፡ ጸዓት ዘመንጩ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ካብ ሓዊ ዝነደሉ ቦታታት ኢዩ ዝወጽእ። እታ

ዒግታ ንድኻም ልቢ የቃልዕ’ዩ እንተበልናኩም ከ?

እቲ ክሳዕ ትሽዓተ ሜትሮ ዝበጽሕ ዝላኡ ነቲ ከጥቅዖ ዝመጸ ጸላኢኡ“ሃየ በል ከተርክበኒ ትኽእል እንተደኣ ዄንካ ንዓ ስዓበኒ” ዝብል መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፈሉ። መብዛሕትኦም ኣራዊት ነዚ ብቐሊሉ ዘይትሓዝ ኢምፓላ ንምሓዝ ኢሎም ክጐዩ ኣይደልዩን ኢዮም! ኣይገርምን?

ጋዜጣ ከምዝበለቶ “ከም ሽኮርያ ዝኣመሰለ ሕማም ዘለዎም ንድኻም ልቢ እተቓልዑ ሕሙማን፡ ሕማም ልቢ ዘለዎም ወይ ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ ናብቲ እተፈላለየ ንጥረ-ነገራት ዘለዎ ኣጸቢቑ እተበከለ ኣየር ድሕሪ ምቅላዖም ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ብድኻም ልቢ ክጥቅዑ ዘለዎም ኣጋጣሚ ብ48% ከም ዝወሰኸ ተመኲሮምዎ ኢዮም። እቲ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናብ 62% ወሲኹ ኢዩ።” ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕክምና ፋካልቲ ዝዓዪ ዶክተር ማሪ ሚትልማን ከም ዝገለጾ ናይ ዒግታ መጠንቀቕታታት ኣብ ዝወሃበሉ ግዜ “ዝበዝሕ ግዜኻ ኣብ ገዛ ከተሕልፎ ፈትን፡ ኣየር ዘመቻችእ መሳርሒ እንተ ተወልዐ ከኣ ይምረጽ። እቲ ንጥረ-ነገራት ኣዝዩ ደቂቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ናብ ገዛ እውን ሰሊኹ ይኣቱ ኢዩ፡ እቲ ኣየር ዘመቻችእ መሳርሒ ከኣ ኣጻርዩ የውጽኦ።” ወይ ጉድ!!

ሃስያ ዝዕድም ናይ ቪድዮ ጸወታታትእግሪ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምሸት ስለ ዝሓብጥ” ድሕሪ ቐትሪ ኬድካ ዓድግ፡ “ክትዕቅን ከለኻ ኣብ ሸዀናኻ ዝኣኽለካን ዘይኣኽለካን ዘይኰነስ ኣብ ዓባይ ዓባይቶኻ ዝኣኽለካን ዘይኣኽለካን ምዃኑ ርአ።” ኣንስቲ ዝበዝሐ ናይ እግሪ ጸገምን ምምዝባልን ኣለወን። ከምኡ ዝኸውን 90 ካብ ሚእቲ ዝዀና ኣንስቲ “ካብ እግረን ዝንእስን ዝጸብብን ታኮ ዘለዎ ሳእኒ ስለ ዝገብራ፡ ብዙሕ ግዜ ናብ ከቢድ ምምዝባል እግሪ ይመርሐን።” እታ ጋዜጣ ወሲኻ ከምዚ ትብል፡- “ቃንዛ ዝስምዓካ ድሕሪ መጕዳእቲ ምዃኑ ዘክር።” ንጠንቀቕ እስከ በሉ!!

ምስ ሳእኒ እተተሓሓዘ ናይ ጥዕና ጸገማት

Page 9: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 9

ኤርምያስ ገብረልዑል [email protected]

መደብ ጸወታሎሚ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ቶተንሃም - ሳንደርላንድ 3፡45

ቦርንማውዝ - ኖርዊች 6፡00

ቸልሲ - ኤቨርተን 6፡00

ማን ሲቲ - ክሪስታል ፓላስ 6፡00

ኒውካስል - ዌስት ሃም 6፡00

ሳውዝሃምፕተን - ዌስትብሮም

6፡00

ኣስቶን ቪላ - ሌስተር 8፡30

ላ’ሊጋ

ሰቪያ - ማላጋ 6፡00

ሴልታቪጎ - ለቫንተ 8፡15

ቪያሪያል - ሪያል ቤትስ 10፡30

ሰረ’ኣ

ኣታላንታ - ኢንተር 5፡00

ናፖሊ - ሳሱሎ 10፡45

ጽባሕ

ዋንጫ ናጽነት ዞባ ማእከል

ኣስመራ ቢራ - ዕዳጋ ሓሙስ

ቀይሕባሕሪ - ገዛባንዳ

ካብ ሰዓት 2፡00 ጀሚሩ ኣብ

ስታድዩም ኣስመራ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ሊቨርፑል - ማን ዩናይትድ 5፡05

ስቶክ - ኣርሰናል 7፡15

ላ’ሊጋ

ቫለንስያ - ራዮ ቫለካኖ 2፡00

ሪያል ማድሪድ - ስፖርቲን ኪኾን

6፡00

ገታፈ - ኤስጳኞል 8፡15

ላስ ፓልማስ - ኣትለቲኮ ማድሪድ

8፡15

ባርሴሎና - ኣትለቲክ ክለብ 10፡30

ሰረ’ኣ

ጀኖኣ - ፓሌርሞ 2፡30

ቦሎኛ - ላዝዮ 5፡00

ኡዲነዝ - ጁቬንቱስ 5፡00

ሚላን - ፊዮረንቲና 10፡45

ስፖርታዊ ውድድር ሓይሊ ባሕሪዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ ስፖርታዊ

ውድድር ሓይሊ ባሕሪ ብውዕውዕ መንፈስ ይቕጽል ምህላዉ ተሓቢሩ፣ ውድድራት ክልቲኡ ጾታ ኣትለቲክስን

ያታዊ ስፖርትን ዝሓለፈ ራብዕቲ ብዝተኻየዱ ንጥፈታት ተዛዝሙ፣ ኣትለቲክስ ብ100 ሜትሮ ክልቲኡ ጾታ፡ 5000 ሜትሮን ደቂ ተባዕትዮ ተካይዱ፣ ያታዊ ስፖርት ድማ ጉታ ገመድ ክልቲኡ ጾታ ከምኡ ድማ፡ ተወሰጥን ኣስቲን ደቂ ተባዕትዮ ተሰላሲሉ፣እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ግጥማት

ኵዕሶ እግሪን መርበብን ናብ መድረኽ ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሑ፣ ኣብ ውድድራት ኵዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ

ዝሓለፋ ጋንታታት ኣውካን፡ ዳህላክ፡ ሓራትን በካዕን እየን፣ ኣብ ኵዕሶ መርበብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣውካን፡ ዳህላክ፡ ገደምን በካዕን ናብ ተመሳሳሊ ውድድር ሓሊፈን፣ ብደቂ ኣንስትዮ ንዝካየድ ተመሳሳሊ ውድድር ከኣ፡ ኣውካን፡ ገደም፡ በካዕን ማዶትን ዝሓለፋ ጋንታታት ምዃነን ተፈሊጡ፣ስፖርታዊ ውድድር ሓይሊ ባሕሪ

ሎሚ ቀዳም ብዝካየድ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ጸወታታት ኵዕሶ እግሪ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብዝቕጽል ንጥፈታት ኵዕሶ መርበብን ምሕንባስን ክቕጽል እዩ፣

ኣፈወርቂ ረድኢ

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ከተማ ደቀምሓረንሸውዓተ ሰናብቲ ክካየድ ዝቐነየ

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ከተማ ደቀምሓረ ዝሓለፈ ሰንበት ብዝተኻየዱ ናይ መዛዘሚ ጸወታታት ተፈጺሙ፣ኣብቲ ኣብ ሰለስተ ዲቪዥናት ተመቒሉ

ን57 ተቐዳደምቲ ዘሳተፈ ውድድር፡ ካብ ቀዳማይ ዲቪዥን ምሕረትኣብ ታደሰን እስቲፋኖስ ኪዳነን ካብ ጋንታ ኣምሁር ብውህሉል ነጥቢ ቀዳማይን ካልኣይን

ብምዃን ተዓዊቶም፣ ኣንበሳ ዓቐብ ናይቲ ውድድር ኮይኑ ዝተሸለመ ኣማኑኤል መንግስተኣብ ካብ ጋንታ መጸሉ ድማ ሳልሳይ ወጺኡ፣ኣብ ውድድር ካልኣይ ዲቪዥን፡

ኣቐዲሙ ኣንበሳ ዓቐብ ዝኾነ ሜሮን ሃብተገርግሽ ካብ ማይወርቂ ብውህሉል ነጥቢ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ናስር መሓመድ ናይ ኣምሁርን ዮናታን ነጋሲ ናይ ማይ ወርቂን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን

ኮይኖም፣ኣብ ሳልሳይ ዲቪዥን፡ ሜሮን ቦኽረጼን፡

ኣማን ሕሸን ዘመን ጠዓመን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጹ ተቐዳደምቲ እዮም፣ብናይ ጋንታ ውድድር ኣምሁር

ቀዳመይቲ ብምዃና ዓባይ ዋንጫ ወሲዳ፣ዕዉታት ናይቲ ውድድር፡ ካብ ኢድ ናይ

ክብሪ ዕዱማት ናይቲ ዕለት ዝተዳለወሎም ሽልማት ተቐቢሎም፣

እስጢፋኖስ ተስፋልደት

ቸልሲ - ኤቨርተንቸልሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ብሰንኪ ማህሰይቲ ዝኸሰረቶም ተጻወትታ

ኤዲን ሃዛርድን ራዳመል ፋልካኦን፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥም ኣንጻር ኤቨርተን እውን ከተሰልፎም ኣይከኣለትን - ስለዘይሓወዩ፣ ኣንጻር ዌስት ብሮም ትሑት ብቕዓት ከምዘርኣየ ዝተገምገመ ፔድሮ፡ ምስ ቀዳሞት 11 ናይ ምስላፉ ተኽእሎ ትሑት ምህላዉ ይግመት፣ ቦታኡ ድማ ብኬነዲ ክትካእ ከምዝኽእል ይግለጽ፣ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ነጥቢ ዝተማቐለት ኤቨርተን፡ ዝኾነ ማህሰይቲ ዝገጠሞ

ሓድሽ ተጻዋታይ የብላን፣ ቶም ክለቨርለይ፡ ነዚ ግጥም ናይ ምርካቡ ተኽእሎ ፍርቂ ፍርቂ እዩ ዘሎ፣ እንተ ኮልማንን ማካርቲን ግና ምሉእ ብምሉእ ብዘይምሕዋዮም ኣስማቶም ምስ ዝተሃስዩ ተጻወትቲ ይርከብ፣

ሊቨርፑል - ማን ዩናይትድ

ኣብ መጉዳእቲ ዝጸንሐ ተኸላኻሊ ክለብ ሊቨርፑል ደጃን ሎቭረን፡ ከምዝሓወየ ይግለጽ ኣሎ፣ እቲ ተጻዋታይ፡ ዋላ’ኳ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ልምምድ ጋንታኡ ምሉእ ብምሉእ ብብቕዓት እንተሰርሐ፡ ጽባሕ ኣብ ዝካየድ ግጥም ኣንጻር ማን ዩናይትድ ናይ ምስላፉ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ይግለጽ፣ ሊቨርፑል፡ ብዘይካ ተስፋ ዝረኸበትሉ ሎቭረን፡ ከም ዳኒ ስቱረጅ ዝኣመሰሉ ካልኦት ኣብ መጉዳእቲ ዝርከቡ ተጻወትቲ ነዚ ግጥም’ዚ ከምዘየርክቡ ተፍልጥ፣ ብወገን ማን ዩናይትድ፡ ኣከፋፋሊ

ባስትያን ሽዋይንስታይገር ብሰንኪ መጉዳእቲ ብርኪ ኣብዚ ግጥም’ዚ ከምዘይስለፍ ክለቡ ትሕብር፣ ፊል ጆንስ እውን ናይ ምስላፉ ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት ከምዘሎ ይንገር፣ እንተ ሚካኤል ካሪክ ግና ናይ ምስላፍ ተኽእሎኡ ዕዙዝ ከምዘሎ ይሕበር፣ኣብ ዝሓለፈ ጸወታኣ ምስ ኣርሰናል

ተወሳኺ . . .

3ብ3 ዝተፈላልየት ሊቨርፑል፡ ዛጊት ኣብ ዘካየደቶ 21 ጸወታታት ብ31 ነጥቢ ታሽዐይቲ ትርከብ፣ ተመሳሳሊ ውጽኢት ምስ ኒውካስል ዘመዝገበት ማን ዩናይትድ ድማ፡ 34 ነጥቢ ኣዋህሊላ ሻዱሻይ ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ፣ ማን ዩናይትድ፡ ኣብ 21 ጸወታታት ዘመዝገብቶ ነጥቢ፡ ኣብ ታሪኻ እቲ ዝተሓተ ኮይኑ ተመዝጊቡላ ኣሎ፣ ክልቲአን ክለባት ኣብ ዘካየዳኦ

ሸሞንተ ርክብ፡ ዩናይትድ ሽዱሽተ ግዜ ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ኣብ ዝተራኸባሉ ሸውዓተ ጸወታታት ግና፡ ሊቨርፑል ክልተ ግዜ ጥራይ እያ ተሳዒራ፣ ኣብ ኣርባዕተ ክትዕወት እንከላ፡ ሓንሳብ ድማ ማዕረ ተፈላልያ፣ ተጻዋታይ ሊቨርፑል - ክርስታይን

በንተከ ኣብ ኣብ ሰለስተ ጸወታታት ኣንጻር ዩናይትድ፡ ሸቶ ኣመዝጊቡ ነይሩ፣

** ** **

+ እንግሊዛዊት ክለብ ሌስተር ሲቲ፡ ንጋናዊ ተጻዋታይ ዳኒኤል ኣማርተይ ንምግዛእ ምስ ክለቡ ኮፐንሄገን ዝርርብ ምጅማራ ተሓቢሩ፣ ብመሰረት ሓበሬታ እታ ዴንማርካዊት ክለብ፡ ወዲ 21 ዓመት ኣማርተይ፡ ኣብ ምክልኻልን ምክፍፋልን ናይ ምጽዋት ብቕዓት ከምዘለዎ ትሕብር፣ ብተወሳኺ፡ እቲ መስርሕ ንኽፍጸም ጥርዚ ከምዝበጽሐን ኣስታት 6 ሚልዮን ፓውንድ ድማ ሌስተር ክትኸፍል ምዃናን ክለብ ኮፐንሄገን ትሕብር፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ሽዱሽተ ጸወታታት ዘካየደ ኣማርተይ፡ ኣቐዲሙ ምስ ሽወደናዊት ክለብ ዲጁጋርደን ምጽዋቱ ይንገር፣ ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ፡ ሌስተር ምስ መራሒት ኣርሰናል ብነጥቢ ተመዓራርያ፡ ብጸብለልታ ሸቶ ተበሊጻ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ፣ + ንሩዲ ጋርሽያ ዘባረረት ኢጣልያዊ

ክለብ ሮማ ንሉቺያኖ ስፓለቲ ደጊማ ከምዝቖጸረት ኣፍሊጣ፣ ሓሙሻይ ደረጃ ውድድር ሰረ’ኣ ኢጣልያ ሒዛ እትርከብ ሮማ፡ 56 ዓመት ንዝዕድሚኡ ስፓሌቲ ክሳብ 2017 ምስኣ ክጸንሕ ተሰማሚዓ ምህላዋ መራኸቢ ብዙሃን ኢጣልያ ሓቢረን፣ ስፓለቲ ካብ 2005 ክሳብ 2009 ንሮማ ምዕላሙ ይዝከር፣ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ጸወታታት ውድድር ሰረ’ኣ ኢጣልያ ሓንሳብ ጥራይ ዝተዓወተት ሮማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ንዓላሚኣ ዝነበረ ሩዲ ጋርሽያ ምብራራ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ እዩ፣

+ ማን ሲቲ፡ ንኣንቶኒ ካሴረስ ካብ ኣውስትራልያዊት ክለብ ሴንትራል ኮስት ማሪነርስ ምዕዳጋ ኣፍሊጣ፣ እቲ ወዲ 23 ዓመት ተጻዋታይ፡ ኣብ መስመር ምክፍፋል ዝስለፍ ኮይኑ፡ ናብ ማሪነርስ ኣብ 2012 እዩ ተጸምቢሩ፣ ንሱ፡ 62 ጸወታታት ከካይድ እንከሎ፡ ሰለስተ ሸቶታት ድማ ኣብ ሊግ ኤ ኣውስትራልያ ኣመዝጊቡ፣

+ ተጻዋታይ ክለብ ኣርሰናል መሱት ኦዚል፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ጀርመን ኮይኑ ተረቝሑ፣ ንራብዓይ ግዚኡ ብሉጽ ኮይኑ ዝተሸለመ ኦዚል፡ ኣብ 2014 ንስክላ ብቶኒ ክሮስ ተበሊጹ ነታ ሽልማት ከማዕድዋ ተገዲዱ ነበረ፣ ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ብዘርእዮ ዘሎ ድንቂ ብቕዓት፡ እቲ ተጻዋታይ ኣርሰናል፡ ነቲ ሰለስተ ግዜ ብተኸታታሊ ኢዱ ዘንበረሉ ሽልማት ክምለሶ ክኢኡ ኣሎ፣ ልዕሊ 51,000 ድምጺ ኣብ ዝተወሃበሉ ምርጫ ብሉጽ ተጻዋታይ ጀርመን፡ ኦዚል 45.9 ሚእታዊት ብምርካብ ክዕወት እንከሎ፡ ቶማስ ሙለር ድማ ብ15.9 ሚእታዊት ካልኣይ ከምኡ ድማ ጆናስ ሄክቶር ብ13.6 ሚእታዊት ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ፣ ኦዚል፡ ኣብ ዓመተ 2015 ኣብ ሸሞንተ ጸወታታት ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ምስ ብሉጻት 11 ተሰሊፉ፣ ኣብቲ ጸወታ ድማ ሓሙሽተ ግዜ ምስ ጋንታኡ ተጻዊቱ፣ ኣብ ሕዳር 2015 ኣንጻር ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ግና ኣዕሪፉ እዩ፣ ምስ ክለቡ ኣርሰናል ድማ 16 ንሸቶ ዝኾና ኮዓሳሱ ብምቕራብ ዓንተር መስመር ምክፍፋል ኮይኑ ቀርቡ ኣሎ፣ ኣርሰናል መሪሕነት ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ንኽትሕዝ ድማ ዓቢ እጃም ከምዘበርከተ ይፍለጥ፣

ቅንጥብጣብ+ እገዳ ምስግጋር ተጻወትቲ

ዝተበየነላ ዓባይ ክለብ ሪያል ማድሪድ፡ 250 ሚልዮን ፓውንድ ብምውጻእ ሓደስቲ ተጻወትቲ ናይ ምፍራም ህጹጽ መደብ ምሓዛ ተሓቢሩ፣ እታ እስጳኛዊት ክለብ፡ ኣብ መደባ፡ 80 ሚልዮን ፓውንድ ንዝተተመነ ኣብ ምጥቃዕ ዘድሃበ ምክፍፋል ንዝጻወት ኤዲን ሃዛርድ ብቐዳምነት ከምእተጣይቐሉ ኣፍሊጣ፣ ድሕሪ እቲ በልጁማዊ ተጻዋታይ። ሪያል ማድሪድ፡ ንሓላዊ ልዳት ማን ዩናይትድ - ደቪድ ደ ሂያ፡ ኣከፋፋሊ ጁቬ ፖል ፖግባ፡ ኣጥቃዒ ባየር ሙኒክ ሮበርት ለዋንዶውስኪን ተጻዋታይ ማን ሲቲ ሰርጆ ኣጕዌሮን ኣብ ዝርዝር ዝዕደጉ ተጻወትቲ ሰሪዓ ምህላዋ ተሓቢሩ፣ ብተወሳኺ፡ እታ ንዚነዲን ዚዳን ዓላሚኣ ገይራ ዝቐጸረት ጋንታ፡ ንወዲ 22 ዓመት እንግሊዛዊ ሃሪ ኬን ከምኡ ድማ ተኸላኻሊ ኤቨርተን ጆን ስቶንስ ኣብ ራዳራ ምእታዋ ተገሊጹ፣ ምንጪ ደይሊ ስታርን ዘ ሳንን

+ ዓላሚ ክለብ ሌስተር ክላውድዮ ራኔሪ፡ ንተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ትሕቲ 21 ዓመት ሰይዱ በራሂኖ ካብ ዌስትብሮም ናይ ምግዛእ መደብ ከምዘለዎ ተሓቢሩ፣ ምንጪ - ኢንደፐንደንት

+ ቸልሲ፡ ንወዲ 26 ዓመት ኣሌክሳንደር ፓቶ ካብ ክለብ ኮረንቲያንስ ከተፈርም ዝርርብ ምጅማራ ተገሊጹ፣ እቲ ወዲ 26 ዓመት ኣጥቃዒ፡ 10 ሚልዮን ፓውንድ ይትመን፣ ምንጪ - ኢኤስፒኤን

+ ኒውካስል፡ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ክለብ ቶተንሃም ኣንድሮስ ታውንሰንድ ብ12 ሚልዮን ፓውንድ ንምዕዳግ ትመጣጠር ከምዘላ ተፈሊጡ፣ ምንጪ ዘ ሳን

+ ማን ዩናይትድ ኣብ ሰረ’ ዲ ኢጣልያ (ታሕተዋይ ዲቪዥን) ንዝጻወት ሉካ ኤርኮላኒ ንምዕዳግ ተበግሶታት ምርኣያ ተሓቢሩ፣ እቲ ወዲ 16 ዓመት ኢጣልያዊ፡ ኣብ ማእከል ናይ መስመር ምክልኻል ይስለፍ፣ ምንጪ - ደይሊ ኤክስፕረስ

ስቶክ - ኣርሰናል

ዓላሚ ኣርሰናል - ኣርሰን ቨንገር፡ ብሰንኪ ምጭብባጥ ጭዋዳ ካብ ጸወታ ርሒቑ ንዝጸንሐ ኣሌክስ ሳንቸዝ ናይ ምስላፍ መደብ ከምዘለዎ ይንገር፣ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ካብ ጸወታ ክርሕቕ ዝተገደደ ተጻዋታይ፡ ንመጀመርታ ግዚኡ እዩ ናብ ሜዳ ክኣቱ፣ ሓድሽ ተጻዋታይ ኣርሰናል ምስራዊ መሓመድ ኢልነንይ፡ ብሕጊ ምስግጋር ተጻወትቲ ኣብዚ ግጥም’ዚ ክስለፍ ኣይፍቀዶን፣ብወገን ስቶክ፡ ኣብ ልዕሊ ኖርዊች ኣብ

ዝተመዝገበ ዓወት ብሰንኪ ማህሰይቲ ክስለፍ ዘይከኣለ ሻኵሪ፡ ኣብ ናይ ጽባሕ ጸወታ እውን

ኣይክስለፍን እዩ፣ ብሰንኪ ምጭብባጥ ጭዋዳ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ረቡዕ ግጥም ክስለፍ ዘይከኣለ ኣጥቃዒ ማርኮ ኣርናቶቪች ሎሚ ምሉእ ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ፣ካብ 21 ጸወታታት 43 ነጥቢ ብምውህላል

መራሒት ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ዝኾነት ኣርሰናል፡ ኣንጻር ስቶክ ኣብ እተካይዶ ጸወታ ክትፍተን ተራእያ እያ፣ ብፍላይ ኣብ ሜዳ ስቶክ - ብሪታንያ ኣብ ዝካየድ ጸወታታት፣ ኣርሰናል ዋላ’ኳ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ጸወታታት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ኣንጻር ስቶክ

እንተተዓወተት፡ ናብ ሜዳ ስቶክ ተጓዒዛ ኣብ ዘካየደቶ ሓሙሽተ ጸወታታት ግና ክትዕወት ኣይከኣለትን፣ ኣብ ክልተ ጸወታታት ማዕረ፥ ኣብ ሰለስተ ድማ ተሳዒራ፣ኣርሰናል ኣብ ለካቲት 2010 ኣብ ሜዳ ስቶክ

ዝተዓወተተሉ ድማ እቲ ዝደሓረ ዓወት ናይታ ጋንታ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ፣ ኣብቲ ግጥም ኣከፋፋሊ ኣርሰናል ኣሮን ራምሲ ዘስካሕክሕ መስበርቲ እግሪ ከምዝገጠሞ ይዝከር፣ ስቶክ፡ ዛጊት ኣካይዳቶ ኣብ ዘላ 21 ጸወታታት

32 ነጥቢ ብምውህላል ሻውዓይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ፣

Page 10: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 10

CHINESE CLASSES TO THE PUBLICCI-NCHE is planning to offer more classes for the public who are interested in learning Chinese language and longing for knowing more about Chinese culture.There will be some Chinese language classes and Chinese culture classes for the new comers as follows:

Chinese Language Class: Wednesday& Friday, 9am-11am. Chinese Language Class II: Wednesday& Friday, 4pm-6pm. Chinese Language Class: Saturday&Sunday, 4pm-6pm. Chinese Culture Class(Kongfu): Monday to Sunday Chinese Culture Class(Chinese Songs): Sunday, 2pm-4pm. Chinese Culture Class(Calligraphy): Tuesday& Thursday, 4pm-6pm. Chinese Culture Class(Dancing): Tuesday& Thursday, 4pm-6pm. The people who want to take the Chinese class will have to pay 100 Nakfa for handouts. More information is available for you on working days at Room 179 & 181, University of Asmara. CI-NCHE is expecting you to begin the Chinese Journey with us together.The schedule for registration:

Date: Feb. 15-19, 2016 Time: 8:30am-11:30am, 2:30pm-5:30pm Venue: Room179 & 181, University of Asmara

ትሕዝቶ መጽሓፍ መግለጺ ኣምራት ብሩህ ኣብነታት ስእላዊ መረዳእታታት መሃርቲ ሰሌዳታት ዝተዓየዩ ሕቶታት ጀነራል 11 ዓመት (2005-2015)

መዘንቲ መላመዲታት መልሲ መላመዲታት

Essential

Mathematics English Science S. Studies

Grade 6

ሓዳስ መጽሓፍ

ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ኮነ ኣብ ገዛ፡ ብውልቂ ወይ ብጉጅለ፡ ዝደለኹምዎ ዓ/ትምህርቲ ኽትመሃሩ፡ ከተጽንዑ፡ ክትውከሱን ክትፍተኑን እትሕግዝ መጽሓፍ!

ኣብ ኣብያተ መሸጣ መጻሕፍቲ ትርከብ።

4 ዓይነት ትምህርቲ

[ ስነ-ቍጽሪ፡ እንግሊዝኛ: ሳይንስ፡ ማ/ትምህርቲ

ዝሓዘት ኣዝያ ኣገዳሲት መጽሓፍ ንተመሃሮ 6ይ ክፍሊ

ንዝያዳ ሓበሬታ

07142402/ 07461121/ 07116587

ምልክታንሕና ወረስቲ 1.ነፍ/ለተዝጊ ሰረቐ ኣቶ ምስግና ተኽለ +1 2.ወረ/

ነፍ ገብራት ሰረቐ ኣቶ ተስፋልደት ገብራት +3 3.ወረ/ነፍ ቀሺ

ኪዳነ ሰረቐ ኣቶ ወልደኣምላኽ ኪዳነ +4 ዝኾንና፡ ኣብ ቤ/ፍ ዞባ

ማእከል ቀሪብና ብዘረጋገጽናዮ ውርሻ መሰረት፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ

ናይ ቀደም ዞባ 9 ምም/04 ጎደና 137-28 ቁ.ገዛ 2 ፕሎት 51

ፓርሰል ASP00008660-J፡ መለለዪ ገዛ ASD00010147 ን/ዞባ

ኣርባዕተ ኣስመራ ዝርከብ ኣብ 105 ት/ሜ ዝተደኮነ ኣብ ኮምሽን

ኣባይቲ ብዋንነት ምስክር ወረቐት ቁጽሪ 102241 መወከሲ ቁጽሪ

105321/105322 ብስም ወረስቲ ነፍ/ስላስ ሰረቐ ወልደሩፋኤልን

ኣሕዋተንን ዝተመዝገበ ገዛ፡ ንመዋርስትና ኣቶ ምስግና ተኽለ

ስለዝሸጥናሉ፡ እቲ ስም ዋንነት ናይቲ ገዛ ናብ ስምና ኣመሓላሊፍና

ናብ ስሙ ከነመሓላልፎ ስለዝደለና፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ

30 መዓልታት ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍ ናይ

መአገዲ ትእዛዝ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታርን ቤት ጽሕፈት

ሃገራዊ ካዳስተርን ይቕረብ። ተቓውሞ እንተዘይቀሪቡ ግን ኦርጂናል

ሰነዳትና ኣቕሪብና ጉዳይና ከነፈጽም ምዃንና ንሕብር።

ኣቶ ምስግና ተኽለ

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ሰመያዊት

ሓይለኣብ

ሓዳስመጽሓፍ

ጽሓፍ Hooray ቋንቋታት እንግሊዘኛን ትግርኛን ክማሃሩ ንዝደልዩ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዘለዉ ኤርትራውያን ተማሃሮ

መባእታማእከላይን ካልኣይን ደረጃ

ትሕዝቶ መጽሓፍብእንግሊዘኛን ትግርኛን ዝተዳለዉ

መሰጥትን መሃርትን

Stories(ዛንታታት)Poems (ግጥምታት)A Play (ተዋስኦ)

ኣብ ቋንቋታት እንግሊዘኛን ትግርኛን ንተመሃሮ እትሕግዝ ኣዝያ ኣገዳሲት መጽሓፍ ኣብ ስተሺነሪታት ተዘርጊሓትልኩም ኣላ።

ንሓበሬታ፡ 07542159 / 07298686 መም ኣብርሃለይ ሃብተ/ ቢንያም ተኸስተ

ምልክታመደብ ዓመታዊ መርመራ ሞተር ተሽከርከርቲ (ቦሎ) 2016

1. ዞባ ማእከል

- ካብ ዕለት 5/1/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/4/2016 ER-1፡ ER-5፡ ER-G፡ ER-UN፡ ER-CD (ኮድ ዲፕሎማት)- ካብ ዕለት 1/5/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 31/6/2016 ER-3፡ ER-8፡ ER-SPQ

2. ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ

- ካብ ዕለት 12/1/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 12/2/2016 ER-1፡ ER-3፡ ER-5፡ ER-8፡ ER-G፡ ER-SPQ

3. ዞባ ሴሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ

- ካብ ዕለት 20/2/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 15/3/2016 ER-1፡ ER-3፡ ER-5፡ ER-8፡ ER-G፡ ER-SPQ

4. ዞባ ዓንሰባ

- ካብ ዕለት 17/3/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 15/4/2016 ER-1፡ ER-3፡ ER-5፡ ER-8፡ ER-G፡ ER-SPQ

5. ዞባ ጋሽ ባርካ

- ካብ ዕለት 17/4/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 16/6/2016 ER-1፡ ER-3፡ ER-5፡ ER-8፡ ER-G፡ ER-SPQ

6. ዞባ ደቡብ

- ካብ ዕለት 16/5/2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 31/6/2016 ER-1፡ ER-3፡ ER-5፡ ER-8፡ ER-G፡ ER-SPQ

ኩለን ኣብ ጽርግያ ዝንቀሳቐሳ ትራክተራትን ካልኦት ጎማ እግረን ፍሉይ ተንቀሳቐስቲ ሞተር ተሽከርከርቲ ሰሌዳ ክሰቕላን መርመራ (ቦሎ) ክገብራን ግድን ምዃኑ ንሕብር።

ኣብ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ ደረት ግዜ ዓመታዊ መርመራ ዘይገበራ ተሽከርከርቲ ኣብ ጽርግያ ክንቀሳቐሳ ከምዘይፍቀድ ንሕብር።

ሚኒ/መጓዓዝያን መራኸቢታትንበዓል መዚ መጓዓዝያ ምድሪ

Page 11: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 11

VACANCY ANNOUNCEMENT

Bisha Mining Share Company is inviting applicants for the following position for Bisha site project;

Air Conditioning Artisan Number Required - (01)

Major Duties and responsibilities:-

Planning

Makes use of “Planned Maintenance Schedule”. (Daily Work Sheets).•

Implementation of the Plan

Identify the highest priority for each day and focus on completing relevant •tasks.

Ensures good housekeeping.•

Ensures the installation and maintenance and repairs of all Air Conditioner •Units/refrigeration plants are carried out in an efficient and effective way in order to minimize downtime. (Sketches, operation manuals, manufacturer’s instructions and engineering specifications. Troubleshooting malfunctions.)

Performs regular inspections in order to detect potential problems before •they cause breakdowns

Controls downtime by ensuring the best techniques are being used to repair •breakdowns.

Ensure safety requirements are fulfilled at the work place, including leading •Field Level Risk Assessment (FLRA) and proper use of the appropriate PPE. Report any safety issues/incidents.

Comply with mine’s cardinal rules and other safety, environmental or other •rules and standards as directed. Identifies any hazards in the work place.

Assist with parts and supply stocks by carrying out regular stock takes and •ordering replacements as required.

Attends “Toolbox meetings” daily.•

Reporting

Reports progress of jobs to Crew Leader.•

Profile: Qualifications and Experience

Formal Education, Certifications or Equivalents

Grade 12 for locals (Technical School).

Technical College Electrical Diploma

Working Experience – Nature & Length 3 - 5 years relevant experience

Other skills and abilities

Computer Literacy (MS Office – Intermediate), Attention to detail.

Attention to detail

Analytical skill

Electrical experience

Problem solving skill

Supervisory experience

Communication (English)

Integrity

Prioritizing skills & multi-skilling

Ability to work towards strict deadlines

High level of accuracy

Self-motivation

General Information and other requirements:Place of Work: Bisha.Type of contract: Indefinite.Salary: As per Company salary scale.

Additional requirement for Nationals: Having fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release paper from the Ministry of Defense. Present clearance paper from current/last employer.Testimonial documents to be attached (CV, work experience credentials, a copy of your National Identity Card etc.).Only shortlisted applicants would be considered as potential candidates for an interview.

Application documents will not be returned to sender.All applications should be sent through the post office.Deadline for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.

Address: Please mail your applications to; Bisha Mining Share Company, P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea

Note to Eritrean applicants: Please send a copy of your application to Aliens Employment permits Affairs, P. O. Box 7940 Asmara, Eritrea.

Understanding High School Physics Part I, II, III and IV

07151337/07290936

NOTICENotice is hereby given to the public that SENAY AND BETHELHEM PRIVATE LIMITED COMPANY is incorporated among the following members: A. Name of Shareholder Nationality Address No.of Shares 1. Mr. Berhane Tekle Weldu Eritrean Asmara 20 2. Mrs. Lemlem Haile Berhane Eritrean Asmara 10 3. Mrs. Bethelhem Berhane Tekle Eritrean Asmara 160 4. Ms.Hermon Berhane Tekle Eritrean Asmara _10_

TOTAL 200

B. Head office of the company will be in Asmara, Eritrea and branch offices will be opened whenever and wherever necessary.

C. The share capital of the company is Nakfa 2,000,000.00 (Two Million) divided into 200 (Two Hundred) registered shares; the par value of each share is 10,000.00 (Ten Thousand) Nakfa, fully subscribed and paid up in cash by the founder members.

D. The business objectives of the company shall be: Restaurant, Pizzeria, Fast Food and Catering services;1. Sales of electric and electronic related products;2. Distribution of electric and electronic related products;3. Electric and electronic Services and/or Maintenance; 4. General trading;5. Import electric and electronic related goods and products;6. Any other legally permitted activities related to the business.7.

E. Mr. Berhane Tekle Weldu is appointed as Manager of the company for unlimited period of time.

F. The company is established for unlimited period of time.

SENAY AND BETHELHEM PRIVATE LIMITED COMPANY

ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ

ኣገልግሎት ማሕተም ሳቡር ኣብ ዓውዲ ሕትመት እናሰርሑ ክስልጥኑ ንዝደልዩ (on job Training) ክቖጽር ስለዝደለየ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ነጥብታት ዘማልኡ ክሳብ 30/01/2016 ኣብ ክፍሊ ምምሕዳር ኣገልግሎት ማሕተም ሳቡር ከተመልክቱ ንሕብር።

1. ደረጃ ትምህርቲ ------------------------------- ካብ 10ይ ክፍሊ ንላዕሊ2. ዕድመ --------------------------------- ትሕቲ 40 ዓመት3. ጾታ ----------------------------------------------- ኣይፈልን4. ብዝሒ -------------------------------------------- 40 5. ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸመ ወይ ዘይምልከቶ

ንዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ 150350 ወይ ብኣካል ኣብ ክፍሊ ምምሕዳር ትካል መጺእኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኣድራሻና ድሕሪ ኣስመራ ፓላስ እዩ።

ኣገልግሎት ማሕተም ሳቡር

Page 12: ናቕፋ - መደባት ጽምብል ናጽነት እተበስር ሽግ ነቒላ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16012016.pdfሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ጥሪ 2016 - ገጽ 12

ስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትሃብቶም ኢዮብ

ሓደ እዋን ዕንድሉፍን ውንድሉፍን ዝተባህሉ ማናቱ ዕያውቲ ነበሩ። እዞም ዕያውቲ ኣብ ገዛ’ዮም ዝውዕሉ ዝነበሩ። ኣዲኦም ንበረኻ ቅድሚ ምውፋራ “እዞም ደቀይ መፍቶ ኣራዊት ከይትዀኑ፡ ብድሕረይ ካብ ገዛ ከይትወጹ፡” እናበለት ትምዕዶም ነበረት። ሓደ ረፋድ ግን ውንድሉፍ

ንዕንድሉፍ ሓዉ፡ “ንዓናይ ኣብቲ ጐልጎል ንጻወት?” በሎ ናብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ሰጣሕ ጐልጎል እናተመልከተ።ዕንድሉፍ፡ “ኤእ! ምሽ ኣደይ

ብድሕረይ ኣይትውጽኡ እያ ትብለና?”ውንድሉፍ፡ “ዘይ ሓንሳብ ኢና ንፋስ

ተወቒዕና፡ ጸሓይ ተጸሊና፡ ክንምለስ። ክትዘናጋዕ ኣይትደልን ኢኻ መስለኒ?”ዕንድሉፍ፡ “ምድላይ ድኣ ይደሊ’ምበር

ግና ኣደይ እንተ ተቛየቘትናኸ?”ውንድሉፍ፡ “ቀልጢፍና ስለ እንምለስ

ኣይክትፈልጠናን’ያ።”ዕንድሉፍ፡ “ኦይ! ኣይንደልን

ወደይ።”

ሎሚ፡ ክልተ ዓይነት ናይ ቁጽሪ ሕቶታት ኣለዋና። ኣብ ቀዳመይቲ ቁጽርን ውጽኢትን ተዋሂበናና ኣለዋ። ከመይ ገይሩ እቲ ውጽኢት ከም ዝመጸ ግና ሰሪሕና ንፍለጦ። ኣብታ ካልኣይቲ ድማ፡ ኣብ ሳንዱቕ ቊጽርታት ብምምላእ እትምለስ ሕቶ ኣላትና። ከምቲ ወትሩ እነዘኻኽረኩም፡ መልሲ ቅድሚ ምርኣይኩም ንነፍሲ-ወከፍ ሕቶ ደጋጊምኩም ፈትንዋ።1. ሰለስተ ቁጽርታት ማለት፡ 2,2,

4, ተዋሂቦምና ኣለዉ። ድላይኩም ዓይነት ቁጽራዊ ተግባር (ምድማር፡ ምጉዳል፡ ምርባሕ፡ ምምቃል፡ ሓጹር) ተጠቐሙ። ውጽኢትኩም ግን

ግጥሚ ተርሙማ

ኣቤል’ቲ ውዑይ ሽሮጸወታ ከም ዝሰኣነ

ከም ዝሰኣነ’ወ መጻውትቲኣደራባይ ዕንጉለ ኣደራባይ እምኒክጻወት መረጸ ምስ ሓደ ዓርኩ፡ሽዑ እናተጻወቱ እናተደራበዩ

ዓርኪ ኣቤል ወዲቑ።ኣቤል እቲ ውዑይ ሽሮቅርብ ኢሉ እንተ ረኣዮ

እቲ መጻውትቱዓይኑ ነቚሩ ምስ ጸንሖኣመና ሰምቢዱ።

ሳሙኤል ግርማይ ጉ/ባ/ቈልዑ ሕድሪ

ሕቶታት ካብ ዛንታ1. ኣርእስቲ ዛንታ እንታይ ይብል ኣሎ? ትርጉሙኸ እንታይ ማለት’ዩ?2. እቶም ክልተ ዕያውቲ መነመን ይበሃሉ ነበሩ?3. ኣደኦም ንዕንድሉፍን ውንድሉፍን እንታይ እናበለት ትምዕዶም ነበረት?

ንሳቶምከ ምዕዶኣ ኣተግቢሮሞዶ?4. ካብ ዕንድሉፍን ውንድሉፍን መን እንተትዀኑ ደስ ምበለኩም?

ስለምንታይ?5. እቶም ክልተ ዕያውቲ ስለምንታይ ኣብ ሽግር ወዲቖም?6. እታ በጊዕ ንደቃ ‘መፍቶ ኣራዊት ከይትዀኑ’ ትብሎም ነበረት።

ትርጉም ናይዚ ኣበሃህላ ግለጽዎ።7. እቶም ኣዛብእ ስለምንታይ ሃዲሞም? እንታይ ኰይኖምከ ተመሊሶም?

መልሲ ኣዛምድ1. B2. C3. D4. E5. A

ንፉዓት ዲኹም?ንፉዓት እንተ ዀይንኩም ኣብዛ ስእሊ፡ ካብቶም ሰለስተ ሰባት ኣየናይ ነቲ

ዓሳ ሒዝዎ ከም ዘሎ ፍለጥዎ።

መም/ ወጋሕታ ክፍላይ

ውንድሉፍ፡ “ብነብስኻ ፈራሕ ኢኻ። ኩሉ ግዜ እንተ ረኣኹኻስ ክትፈርሕ ጉዳም። በድባድ ኢኻ። ካባይ ንላዕሊ እንታይ ዘፍርሕ ኣለካ?”“መን’ዩ ፈራሕ?” “ንስኻ እምበር መን ድኣ?” “ኣነ ፈራሕ ኣይኰንኩን።

ጥንቁቕ’የ።”“ክላእ ግደፈና በጃኻ! ፈራሕ

እንተዘይኰይንካ እስከ ዝገበርኩዎ ግበር።”“እንድያሞ ሕራይ።” ክልቲኦም ኣሕዋት ካብ ጥቓ

ገዝኦም ቁሩብ ምስ ረሓቑ ልሙዕ ሳዕሪ ረኺቦም። እናበልዑ ኸኣ ከይተረድኦም ኣዝዮም ኣርሓቑ። ኣብ በረኻ ከለዉ፡ መሬት ጸልሚቱ። መገዲ ገዝኦም ስለ ዝጠፍኦም ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ኰይኖም ክነብዑ ጀሚሮም።ምድረ-ሰማይ ኣጸቢቑ ምስ ጸልመተ፡

ኣዛብእ ከካብ ሰፈሮም ወጺኦም ናብኦም ገጾም ኣምርሑ። ውንድሉፍ ብኽቱር ራዕዲ ከንቀጥቅጥ ጀመረ። ዕንድሉፍ ብመጠኑ’ምበር ኣጸቢቑ ኣይተዳህለን። “ናብዛ ገረብ ንሕኰር፡” በሎ ንሓዉ። ቀልጢፎም ድማ ናብታ ገረብ ደየቡ። እቶም ኣዛብእ እናሸተቱ ኣብ

ትሕቲ እታ ዕንድሉፍን ውንድሉፍን ዝነበርዋ ገረብ በጽሑ። ነቶም ኣብ ላዕሊ ተሰቒሎም ዝነበሩ ዕያውቲ ግን ኣይረኣይዎምን።ውንድሉፍን ዕንድሉፍን ትጽቢት

ነዊሕዎም። ሽዑ ሃንደበት፡ “ክሸይን

ክልተ ዕያውቲደልየ።”ዕንድሉፍ፡ “ሓንሳብ ክሳብ ዝወግሕ

ተጸመም።”ውንድሉፍ፡ “ክጽመም

ኣይክእልን’የ። ሽንቲ ወጢጡኒ’ዩ ዘሎ።”ዕንድሉፍ “እሞ እንተ ሸይንካ

ድኣ እዞም ኣዛብእ ኣብዚ ከም ዘለና ክፈልጡና እንድዮም። ግና ጥንቅልዒት ኰይንካ’ሞ ሽን ሽዑ ሽንትኻ ኣብ ከብድኻ ኣዕልቦ።”ውንድሉፍ “ሕራይ” በሎ። ከምቲ

ዝበሎ ኸኣ ገበረ። ኣብ ኣጋ ምውድኡ ግን ውንድሉፍ ሸተት ኢሉ ናብ መሬት ወደቐ። “ዱብ” ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ስለ ዝፈጠረ እቶም ኣዛብእ ህድማ ተተሓሓዝዎ። ዕንድሉፍ ከኣ፡ “ኣርክቦም

ዓዓበይቶም፡ ኣርክቦም ዓዓበይቶም። ቅረብ፡ ሓዞ ነቲ ሓደ! ነቲ ሓንከስ ዝብል ዘሎ ኣይትግደፎ፡ ግርም ገበርካ፤ ሓዞ! ሓዞ!” ክብል ጀመረ። እዚ ዘረባ ነቶም ኣዛብእ መሊሱ ራዕዲ ፈጠረሎም። ነዚ ዘስተብሃለ ዕንድሉፍ ካብታ ገረብ ወሪዱ ናብ ገዝኡ ብምህዳም ነብሱ ኣድሓነ። ውንድሉፍ ግን ሕቖኡ ስለ እተመሰሰ ክኸይድ ኰነ ሓፍ ክብል ኣይክኣለን። እቶም ኣዛብእ “ኩልና ብሓንሳብ

ከለናስ እንታይ ምዃኑ ከይፈለጥና ክንሃድም?” ብምባል ተማኸሩ። ተኣኪቦም ድማ ናብታ ዝነበርዋ ገረብ ተመልሱ። ነቲ ኣብኡ ዝጸንሖም ውንድሉፍ ድማ ሒዞም በልዕዎ።

10 ክኸውን ኣለዎ። ንነፍሲ-ወከፍ ቊጽሪ ሓንሳእ ጥራይ ምጥቃም ይፍቀድ። (4 × 2 ) + 2= 8 + 2 = 10ካብዚ ብምቕጻል ነዞም ዝስዕቡ

ሕቶታት መልስዎም፦1.1) ዝተዋህቡ ቁጽርታት 7, 4,

3 ፡ ዝድለ ውጽኢት 14.1.2) ዝድለ ውጽኢት 9፡ ዝተዋህቡ

ቁጽርታት 8, 1, 21.3) ዝተዋህቡና ቁጽርታት፡ 3,

2, 8 ዝተደልየ ውጽኢት 71.4) ዝተደልየ ውጽኢት

20፡ 1, 10, 10 ድማ ዝተዋህቡ ቊጽርታት

ቁጽሪ

2. ኣብዛ እትስዕብ ሳንዱቕ ካብ 1 ክሳብ 9 ዘለዉ ቊጽርታት ተጠቒምኩም፡ ንትኹል፡ ንጋድም፡ ንቔናን (diagonal) ተደሚሮም 15 ከም ዝመጽኡ ግበሩ።

ለA. Thirty firstB. SecondC. SeventeenthD. TenthE. Twenty thirdF. Sixth

ቃላትን ተርታን ኣዛምዱኣብ ጉጅለ ‘ሀ’ ዘለዉ ተርታታት ምስ ኣብ ጉጅለ ‘ለ’ ዘለው ቃላት ኣዛምድዎም።

ሀ1. 2nd2. 17th3. 10th4. 23rd5. 31st

መም. ዮናስ ብርሃነS.KS. ኣስመራ