ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ - wordpress.com ·...

7
ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ ገብርሂወት 1

Upload: others

Post on 23-Jan-2020

12 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ - WordPress.com · 2016-12-24 · ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ

ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ ገብርሂወት 1

ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ

Page 2: ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ - WordPress.com · 2016-12-24 · ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ

ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ ገብርሂወት 1

ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ

ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብተደጋጋሚ ብዜማ ኮነ ብንባብ ካብ ንሰምዖም ቃላት ሓደ “ሃሌ ሉያ” ወይ ከኣ ሃሌታ

እዩ። ሃሌታ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅዱስቲ ቤተ ክርስቲያን ንሰምዖ እኳ እንተ ኾነ ኣብ’ዚ ቅሩብ ዓመታት ግን ካባና ብምውሳድ

መናፍቃን ብብዝሒ ኽጥቀምሉ ብምርኣይ ንምእመናን ጋሻ ቃል እንዳ ኾነ እዪ ዝመጽእ ዘሎ። ምዕራባውያን “If you can’t

convince them, confuse them” (ከተእምኖም እንተ ዘይከኣልካ ብውሕዱ ኣጠራጥሮም) ከም ዝብሉ፣ ምስጢርን

ትርጉምን ናይ “ሃሌታ” ሰኣን ምርዳእ ርስቱ ዘረከበ ውሑድ ኣይኮነን። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሃብትን ጸጋን ኸጥፍኡ ኣብ

ዝማናጠልሉ ዘለዉ እዋን፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን መርገጺ ኣብ ነገረ ሃይማኖት፣ ቀኖና፣ ከምኡ ከኣ ቱፊት ምግላጽ ናይ ኩላትና

ሓላፍነት እዩ። እዚ ብምኳኑ ከኣ ኩላትና ብዝኸኣልናዮ ዓቕሚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምሕርትን ሃብትን ካብ ናይ ደገ ጸላእቲ

ክንከላኸለሉን ንምእመናን ብግቡእ ከነረድኦምን ይግባእ። እዚ መሰረት ብምግባር እንበአር ኣብ መእተዊ ከም ዝራእናዮ

ትርጉምን ምስጢርን ናይ ሃሌታ ብቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን መሰረት ክንርኢ ኢና።

ሃለቃ ኪዳነ ወልደ ክፍሌ ከም ዝገለጽዎ “ሃሌ (ሀሌ) ብዕብራይስጥ ሀሌል ይበሃል። ሃሌታ ማለታ ስብሐት፣ ውዳሴ፣

መዝሙር፣ ግናይ ቅኔ፣ ሐዲስ፣ ምስጋና ማለት ኢዩ። መዘምራን ሃሌ ኢሎም ዝምረሕዎ [ዜማ] ኢዩ። መዝሙር በሃሌ፣ ነገር

ብምሳሌ፣ ሜስ ብብርሌ፣ ከም ዝበሃል ኢዩ። ዕልልታ ከኣ ብምስጢር ምስ ሃሌ ሉያ ሓደ እዩ። ሃሌ ሉያ (ብዕብራይስጥ ሀልሉ

ያህ)፦ ሰብሑ እግዚአ ሀልሉ ሰብሑ ያህ እግዚእ አምላክ። ወርኅ ሃሌ ሉያ (አቢብን)” (ዘጽ 13፣4)። ((ኪዳነ ወልደ ክፍሌ, ገጽ

372)

ሃሌ ሉያ ማለት እንበእር ብእብራይስጥ ኮይኑ ምስጋና፣ ማህሌተ፣ ዕልልታ ማለት እዩ። ዘማርይ ልብ አምላኽ ዳዊት

ንእግዚኣብሔር አምስግንዎ። ሃሌ ሉያ ንእግዚኣብሄር ብምኽሪ ቕኑዓትን ማሕበርን ብምሉእ ልበይ አመስግኖ ኣሎኹ ይብል።

መዝ 111፣1። ከምኡ ከኣ ኣብ ምስጋና ኮይኑ ንእግዚኣብሔር ብተመስጦ ሰማያት ተከፊቱ ዝረኣየ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ

ኣብ ራኢ 19፣6 “እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌ ሉያ” እንዳ በሉ ከመስግኑ ራእኩ ኸብል

ጽሒፉልና ኣሎ።

Page 3: ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ - WordPress.com · 2016-12-24 · ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ

ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ ገብርሂወት 1

ካልእ ሃሌ ሉያ ማለት “ዘሎን ዝነበረን፣ ኣልፋን ኦሜጋን፣ እግዚኣብሔር ማለት እዩ። ሃሌ ማለት ቅድሚ ዓለም

ምፍጣሩ ዝነበረ አምላኽ ማለት ክኸውን ከሎ፣ ሉያ ማለት ከኣ ክሳብ ዘለዓለም ዝነብር አምላኽ ማለት እዩ። ሃሌ ሉያ ተባሂሉ

ክግለጽ ከሎ ከኣ ምስጋና ማህሌት ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ኣምስግንዎ ብምባል ከኣ ይትርጎም። መዝ 106፣1

ንእግዚኣብሔር ኣመስግንዎ፣ እግዚኣብሔር ሰናይ ኢዩ። ምሕረቱ ውን ንዘለዓልም ይነብር ኢዩ‘ሞ አመስግንዎ ይብል።

እንበኣር ነዚ መሰረት ብምግባር ሃሌ ሉያ ማለት ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ዝነበረ ወይ ከኣ ዓለም ከይተፈጥረ ዘሎ ፣ ዓለም

ኣሕሊፉ ከኣ ዝነብር አምላኽ ምስጋና ይግባእ ማለት ኢዩ። ኣብ ናይ ምስጋና ግዜ ከኣ ሃሌ ሉያ ኢልና ምስጋና ንጅምር። እዚ

ከኣ ካብ ሓደ ሃሌ ሉያ (ሃሌታ) ክሳብ 10 ሃሌ ሉያ (ሃሌታ) ይጥመር። እዚ ከኣ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምስጢር ዝሓዘለ ኢዩ።

ብዙሕ ግዜ እዚ ሃሌ ሉያ ዝብል መዝሙር ኣብ መጀመርታን መወደእታን ንጥቀመሉ። መዝ 142-149-150።

ሃሌታ ብሓደ ምኻኑ፦

ሰማይን ምድርን ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጽአ ሐደ እግዚኣብሔር ምኳኑ ምሳሌ እዩ። ዘፍ 1፣1. ዮሐንስ

1፣2። እዚ ከኣ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና (ንሕና) ብሐደ እግዚኣብሔር ከም ንኣምን ንምግላጽ

እዩ።

ሃሌታ ብክልተ ምኳኑ፦

ብዙሕ ምሳሌ ዘለዎ ኮይኑ። ቀዳምይ ናይ አዳምን ናይ ሄዋንን ምሳሌ እዩ። ካብኡ ሓልፉ ብክልተ ምኳኑ ናይ

መለኮትን ሥጋን፣ (አምላኽ ሰብ፣ ሰብ አምላኽ ምኳኑ) ምሳሌ እዩ። ናይ’ቲ ብዕለተ ዓርቢ ካብ ጎይታ ዝፈሰሰ ደምን

ማይን ምሳሌ። (ዮሐ 19፣ 27-35)። ናይ ቅዱስ ቁርባን (ናይ ክቡር ሥጋኡን ክቡር ደሙን ምሳሌ፣ ከምኡ ከኣ ናይ

ብሉይ ኪዳን ናይ ሓድሽ ኪዳንን ምሳሌ እዩ።

ሃሌታ ብሰለስተ ምኳኑ፦

ናይ ምስጢረ ሥላሴ ምሳሌ፦ ናይ አብን ወልድን፣ መንፈስ ቅዱስን ምሳሌ። ከምኡ ከኣ ናይ ሰለስተ ዜማ፣ ናይ

ግእዝ፣ እዝል፣ አራራይ ምሳሌ እዩ።

ሃሌታ በርባዕተ ምኳኑ፦

Page 4: ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ - WordPress.com · 2016-12-24 · ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ

ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ ገብርሂወት 1

ናይ አርባዕተ እንስሳ ጸወርተ መንበር ኪሩኤል ምሳሌ እዩ። ካልኣይ ናይ ወዲ ሰብ ምሳሌ፣ እዚ ማለት ከኣ ወዲ ሰብ

ብአርባዕተ ባህርያተ ሥጋ ሓምሻይ ባሕርያተ ነፍስ ከም ዝኾነ ንምግላጽ። አርባዕተ ባሕርያተ ስጋ ዝበሃሉ ንፋስ፣

እሳት፣ መሬት ከምኡ ከኣ ማይ። ባሕርያተ ነፍስ ከኣ ለባዊት፣ ነባቢት፣ ሕያዊት። ስለ’ዚ ሃሌታ በርባዕተ ምባሉ ናይ

አርባዕተ ባሕርያተ ሥጋ ንምግላጽ እዩ። ከምኡ ከኣ ናይ አርባዕተ ወንጌላዊያን (ማቴዎስ፣ ማርቆስ፣ ሉቃስ፣ ዮሐንስ)

ምሳሌ ኢዩ። ከምኡ ከኣ ወንጌል ብአርባዕተ ክፍሊ ኮይኑ ምጽሓፉ ምሳሌ እዩ።

ሃሌታ ብሓሙሽተ ምኳኑ፦

ናይ 5500 ዘመን ምሳሌ። ናይ ሐሙሽተ መጻሕፍተ ኦሪት፣ (ዘፍጥረት፣ ዘጸዓት፣ ዘህሉቍ፣ ዘለዋውያን፣ ዘዳግም)

ምሳሌ። ናይ ሐሙሽተ አእማደ ምስጢር (ምስጢረ ሥላሴ፣ ሥጋዌ፣ ጥምቀት፣ ቁርባን፣ ትንሳኤ ሙታን) ምሳሌ

ምኳኑ ምግላጽ። ናይ ሓሙሽተ ቅንዋተ መስቀል ናይ ጎይታናን አምላኽናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ።

ሃሌታ ብሽዱሽተ ምኳኑ፦

ጎይታ አብ 6ይ ክፍለ ዘመን ምግላጹ። ከምኡ ከኣ ናይ ሽዲሽተ ቃላተ ወንጌል ምሳሌ እዩ። ማቴ 25.

ሃሌታ ብሸውዓተ ምኳኑ፦

ናይ ሸውዓተ ሰማያት፣ ኢዮር ራማ ኤረር, 2ቆሮ 12፣1-3,፣ ሰማይ ውዱድ፣ ሰማያዊት ኢዮሩሳሌም፣ ገላ 4፣26 ዕብ

12፣22፣ ራኢ 2፣24፣ መንበረ መንግስት፣ ኢሳ 6፣1፣ ሕዝ 1፣26 ራኢ 4፣2 ጽርሃ አርያም ምሳሌ ኢዮም። ዘጽ 10፣14

1ይ ነገስ 8፣27።

ከምኡ ከኣ ጥበበኛ ሰለሙን “ጥበብ ቤታ ሃነጸት፡ ሾብዓተ ኣዕኑድ ኣቖመትሉ” ከም ዝበሎ (9፣1-3) ናይ ሸውዓተ

ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ እዩ። ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝበሃሉ፦ ምሥጢረ ጥምቀት፣

ምሥጢረ ሜሮን፣ ምሥጢረ ቁርባን፣ ምሥጢረ ንስሓ፣ ምሥጢረ ክህነት፣ ምሥጢረ ተክሊል ፣ ምሥጢረ

ቀንዲል እዮም።

Page 5: ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ - WordPress.com · 2016-12-24 · ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ

ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ ገብርሂወት 1

ናይ ሽውዓተ ባሕርያተ ሰብ ምሳሌ እዩ። ካልእ ብዕብራይስጥ ሰብ ማለት ብሸውዓተ ባሕርያት ዝተፈጥረ ፍጹም

ማለት እዩ። አርባዕተ ባሕርያተ ስጋ ዝበሃሉ ንፋስ፣ እሳት፣ መሬት፣ ማይ ክኾኑ ከለዉ እቶም ሰለስተ ከኣ ባሕርያተ

ነፍስ ለባዊት፣ ነባቢት፣ ሕያዊት ኢዮም። ስለ’ዚ ሃሌ ሉያ ብሸውዓተ ምኳኑ ናይ ሸውዓተ ባሕርያተ ሰብ ምሳሌ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ንሙሴ ብዝኣዘዞ መሰረት ኣሮን ከም ሊቀ ጳጳስ፣ ደቂ ኣሮን፣ ኣልኣዛርን ኢታማርን ከም ጳጳሳት፣

ናዳብን ኣቢሁን ከም ቀሺ ገበዝ ዘጽ 28፣1-6, ዘህ 3፣1-5, 1ይ ዜና 24፣1-4። ንለዊ ደቂ ደቁ (ደቂ ጌድስን ደቂ

ሜራሪን)፣ ደቂ እቲ ዓብይ (ጌድስን) ከም ኣናግስጢስ, ደቂ እቲ ንእሽተይ ሜራሪ ከም ዓጸውተ ማዕጾ (ናይ ቤተ

ክርስትያን ማዕጾ ከም ዝከፍትን ዝዓጹን ኣገልጋሊ ኮይኖም) ኣብ ደብተራ ኦሪት ከገልግሉ ተሾሙ። እዚ ከኣ ናይ

ሸውዓተ ልኡኻን ምሳሌ እዩ። ዘፍ 46፣11, ዘህ 3፣21-37። ቅዱስ ያሬድ እውን ኣብ መጽሓፈ ዱጓ “እም ደቂቀ ለዊ

ኣርኣየ ሰብዓተ ሥርዓታተ” (ኣብ ውሉድ ናይ ለዊ ሸውዓተ ስርዓታት ኣርኣየ ክብል ገሊጽዎ እዩ። እንበኣር ጎይታ ካብ

ናይ ለዊ ደቂ (ነገድ ለዊ) ሸውዓተ ሽመት ሾመ። ነዚ ምሳሌ ክኸውን ከኣ ሃሌተ ብሸውዓተ ይኸውን።

ካብኡ ሓሊፉ ሃሌታ ብሸውዓት ዝበሃለሉ ምኽንያት ናይ ሸውዓት ስነ ፍጥረት፣ ናይ ሽውዓት ሊቃናተ መላእክት፣ ናይ

ሸውዓት ኪዳናት ምሳሊ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ እንበኣር “ሽውዓት” ኣብ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን ብብዙሕ ካብ ዝጥቀሱ

ቁጽርታት ሓደ ብሙኳኑ፣ ከምኡ ከኣ ፍጹም ቁጽሪ ብምኻኑ ሃሌታ ብሸውዓተ ይበሃል።

ሃሌታ ብሸሞንተ ምኳኑ፣

ሰብ ፈጣሪኡ በዲሉ ካብ እግዚኣብሔር ምስ ረሓቀ፣ ካብ ዓለም ምሉእ ሸሞንተ ነፍሳት ኖህ ሰበይቱን፣ ምስ ሰለተ

ደቆምን ኣንስቲ ደቆምን ኣትሪፉ እግዚኣብሔር ነታ ቀዳመይቲ ዓለም ማይ ኣይሂ ኣውሪዱ ኣጥፈኣ። ነዚ ምሳሌ

ክኸውን ከኣ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሃሌታ ብሾመንተ ይበሃል። ዘፍ 7፣13-22, 1ይ ጰጥ 3፣20-21። ከምኡ ውን

ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክሳብ መጽሓፈ ሩት ዘለዉ (ናይ ሸመንተ) ብሔረ ኦሪት ምሳሌ ኢዩ። ጌታ ዝመጸሉ ሰዓት

መዓልቲ ባዕሉ ጥራሕ ዝፈልጦ እኳ እንተ ኮነ ማቴ 24፣29-40, እዚ ዓለም (8) ሺሕ ዘመን ወሲንዎ። ናይ’ዚ ምሳሌ

ኢዩ ዕዝራ ሱቱኤል 5፣37።

Page 6: ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ - WordPress.com · 2016-12-24 · ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ

ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ ገብርሂወት 1

ሃሌታ ብትሽዓተ ምኳኑ፣ ናይ ትሸዓተ መዓርጋተ ቤተ ክርስቲያን ወይ ከኣ ናይ ትሸዓተ መላእክቲ ዝተባህሉ ኣገልግልቲ

ምሳሌ ኢዩ። 1ይ ጰጥ 3፣22

ትስዓተ መዓርጋተ ቤተ ክርስትያን ማለት ኢዩ።

መላእክት ዝተባህሉ ኣገልገልቲ። 1ይ ጰጥ 3፣22, ምሳሌኦም ዝኮኑ ናይ መዘምራን ምሳሌታት።

መኳንንት ዝተባህሉ መላእክታት ናይ ኣናግንስጢ (ኣንበብቲ ቅዱሳን መጻሕፍቲ) ምሳሌ።

ሊቅናት ዝተባህሉ መላእክቲ ናይ ንፍቀ ዲያቆን ምሳሌ።

ሥልጣናት ዝተባህሉ መላእክቲ ናይ ድያቆናት ምሳሌ። (1ይ ጵጥ 3፣22

መናብርቲ ዝተባህሉ መላእክቲ ናይ ካህናት (ኣቕሽቲ) ምሳሌ።

ኣርባብ ዝባህሉ መላእክቲ ናይ ቆመሳት ምሳሌ።

ሓይላት ዝተባህሉ መላእክቲ ናይ ኤጲስ ቆጶሳት ምሳሌ። 1ይ ጰጥ 3፣22

ሱራፊኤል ዝተባህሉ መላእክቲ ናይ ጳጳስት ምሳሌ።

ኪሩቤል ዝተባህሉ መላእክቲ፣ ናይ ሊቃነ ጳጳሳት ምሳሌ ኢዮም። ከምኡ ከኣ ናይ ሚያዚያ መጽሓፈ ስክንሳር ከም

ዝምህረና ብትሽዓተ ሰዓት ካብ ገነት ወጺኡ፣ ኣብ’ዚ ዓመት ን930 ዓመታት ነቢሩ፣ ብታሸዓተ ሰዓተ ካብ’ዚ ዓለም

ብሞት ተፈልዩ፣ ናብ ሲኦል ዝወረደ ኣዳም፣ ናብ ገነት ንምምላስ ጌታ ብዕለተ ዓርብ ብታሽዓይ ሰዓት ኣብ መልእልተ

መስቀል ተሰቂሉ ሥግኡ ካብ ነብሱ ናይ ምፍላዩ ምሳሌ ኢዩ። ማቴ 27፣46-51። ቅዱስ ያሬድ ኣብ ጾመ ዱጓ ዝተባህለ

ድርሰቱ ናይ’ዚ ተወሳኺ ምስጢር ክገልጽ ከሎ “ተስዓቱ ሰዓት ያዐርጉ መላእክት ምግባሮ ለስብእ ኀበ እግዚኣብሔር”

ብታሽዓይ ሰዓት መላእክት [ኪሩቤል] ናይ ደቂ ሰባት ስራሕ [ኩሉ] ናብ እግዚኣብሔር የቕርቡ” ብምባል ገሊጽዎ

ኣሎ። እዚ ከኣ ናይ ሊቃነ ጳጳስ ምሳሌ ኢዩ።

ሃሌታ ብዓሰርተ ምኳኑ፣

ናይ ዓሰርተ ትእዛዛተ ኦሪት ምሳሌ ኢዩ። ዘጽ 20፣3-18። ከምኡ ከኣ ብዓሰርተ ስልኪ (ኣውታር) ብዘለዎ በገና

ንአምላኽ ምምስጋን ጽቡቕ ኢዩ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ናይ’ዚ ምሳሌ ኢዩ። መዝ 32፣2-4, መዝ 91፣1-4

Page 7: ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ - WordPress.com · 2016-12-24 · ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ

ኦርቶዶክሳዊ ምስጢርን ትርጉምን ናይ ሃሌታ ረዳኢ ገብርሂወት 1

ስለ’ዚ ሃሌታ ማለት ብዙሕ ምስጢር ዝሓዘለ ናይ ቅዱስቲ ቤተ ክርስቲያን ሃብቲ፣ ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ

ዝተገልጸ ኮይኑ መንፈሳዊ ዕልልታ ምስጋና ማለት ኢዩ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር፣

ይትኣኮት ወይትሰብሓ ስሙ ለእግዚኣብሔር አምላኽነ፣ ወትረ በኩሉ ግዜ ወበኩሉ ሰዓት አሜን!!

ምንጪ መጻሕፍቲ

አስራደ ባያብል, (ሊቀ ጠበብት), (2004 ግ.). “የማኅሌተ ጽጌ ትርጕምና ታሪክ” 2ይ ሕታም”. ገጽ. 29-35). ኣዲስ ኣበባ: ዓለም ኣታሚዎች

ኪዳነ ወልደ ክፍሌ, አለቃ, (1948 ግ.). “መጽሐፈ ሰዋስው ወግስ ወመዝገበ ቃላት ሓዲስ,” አዲስ ኣበባ: አርቲስት ማተሚያ ቤት