haddas eritrea - june 19, 2009

12
0 0 ገጽ - 4 ስትምቓር - ግጥሚሰማእቲ ²Ãö-5 ድሪ ሰማእ ታት ግባር ምህናጽ ገር KkF 18 –Kq cÿ.251 ዓርቢ 19 ሰነ 2009 ²Äq 12 g³ 1.00 |iÍ ²Ãö-8 ሕልናኻ ዘቕስን ተበግሶ ²Ãö-2 ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዞባ ጋሽ - ባርካ 0 0 0 0 0 0 0 9 9 9 9 9 9 2 2 ²Ãö-7 ልዕሊ ሰማእታት ንሕልናና ዝገዝእ ሓይሊ የለን መስዋእቲ …. ዉኣት …. ድሪ ዉኣት ብምኽንያት 20 ሰነ። መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ። ኣብ ከተማ ኣስመራ - ኣፍደገ ሚኒስትሪ ትምህርቲ። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉን ክብሩን ንዝኸፈሎ ረዚን መስዋእቲ ዘንጸባርቕ ምርኢት። 17 ሰነ ብሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ብምኽንያት 20 ሰነ። ዓወት ንሓፋሽ ዝተሰምየ ምርኢት ይቐርብ ኣሎ ሰመረ ርእሶም ተኸፊቱ፣ እቲ ናይ ቅርጻ ስራሕ። ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኣብያተ - ማእሰርቲ ገዛእቲ ዘሕለፍዎ ሕሰምን ኣገባብ ኣረሻሽናኦምን ዝገልጽ ኮይኑ። ብቪድዮ ዝተሰነደ ህያብ ምስክርነት የጠቓልል፣ እቲ ምርኢት። እቶም ሓርበኛታት። ንዝወርዶም ዘስካሕክሕ መግረፍቲን ግፍዕታትን ተጻዊሮም። ኣብታ ናይ መጨረሽታ ህሞት ኣብ ቅድሚ ረሸንቶም ዓወት ንሓፋሽ ብምባል ንመስዋእቶም ብትብዓት ይቕበሉ ከምዝነበሩ ውን ብዝርዝር ዘብርህ ዩ፣ ነቲ ስነ - ጥበባዊ ዕዮ ዘዳለወ ኣርቲስት ግደይ ገብረሚካኤል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ። እቲ ምርኢት ንጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን ሰማእታቱን ዝገልጽ ከምዝኾነ ብምምልካት። ዓወት ንሓፋሽ ዝብል ኣርእስቲ ድማ ረዚን ትርጒም ከምዘለዎ ኣረዲኡ፣ ካብ ተዓዘብቲ መንእሰይ ዓብዱ መሓመድኑር። እቲ ምርኢት። ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፎ መሪር ህይወትን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ዘነጽር ቤተ መዘክር ድሕሪ ምባል። ናጽነት ክትዕቀብ ዘለዋ ህያብ ሰማእታት ከምዝኾነት ገሊጹ፣ ኣባል ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሰለሙን ብርሃነ ብዛዕባ ዘዳለዎ ናይ ቪድዮ መሰናድኦ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። እታ ናይ ቪድዮ ምርኢት። ታሪኽ ናብ ወለዶታት ንምስግጋር እትሕግዝ ሰነዳዊ ( ዶኲሜንታሪ ) ከምዝኾነት ገሊጹ፣ እዚ ምርኢት ዚ። ክሳብ 20 ሰነ ክፉት ኮይኑ ከምዝጸንሕ ተፈሊጡ ኣሎ፣ ክብርታትካ ዓቂብካ ህዝቢ ብሓደራ ዘሰከመካ ሓላፍነት ብኣድማዕነት ክትሰርሓሉ ከምዝግባእ። ሚኒስተር ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም። ኣብ ከተማ መንደፈራ ንወከልቲ ኮማዊ ኣብያተ - ፍርዲ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝገበረቶ ኣኼባ ኣገንዚባ፣ ሚኒስተር ፎዝያ። ኣብ ዝሓለፈዓመትኣብዞባደቡብ 70 ሚእታዊት ጉዳያት ብዕርቂ ከምዝደቀሱ። እቶም ዝተረፉ ድማ ብይግባይ ከምዝሓለፉ ብምብራህ። ድልዱል መሰረት ዘለዎም ሕግታት እንዳባ ብግቡእ ክንጥቀመሎምን ኣብ ረብሓ ሕብረተሰብ ክነውዕሎምን ይግባኣና ድሕሪ ምባል። ነዚ ንምትግባር - ደያኑ ብመንፈስ ውህደትን ስኒትን ዝኽሰቱ ጉዳያት ህዝቢ ብዕርቂ ኣብ ምፍታሕ ኣበርቲዖም ክጽዕቱ ኣዘኻኺራ፣ ሚኒስተር ፎዝያ ኣስዒባ። መብዛሕትኦም ናብ ኣብያተ - ፍርዲ ዝቐርቡ ጉዳያት ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ፍትሒ ንክረኽቡ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ኣነጺራ፣ ተሳተፍቲ ብግደኦም። ኣብ ስርሖም ዘጋጥሞም ሕጽረታት መሳለጥያ ክፍታሓሎም ብምሕታት። ሕብረተ - ሰብ ዘሰከሞም ከቢድ ጾር ብግቡእ ክሰርሑሉን ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ክህቡን ድልዋት ምዃኖም ገሊጾም፣ ክኢላታት ሕጊ ብወገኖም። ንምሕደራን ኣጠቓቕማን ግዜ ዝምልከት ዝርዝራዊ ኣስተምህሮ ሂቦም፣ ሚኒስተር ፎዝያ ሃሽም። ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ውን ተመሳሳሊ ኣኼባ ከምዘካየደት። ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት፣ ኣብ ዞባ ደቡብ። 120 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 360 ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ - ፍርዲ። ኣብ 120 መጋባእያታት ንህዝቢ ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለው ይፍለጥ፣ ኮማዊ ደያኑ ብኣድማዕነት ክሰርሑ ከምዝግባእ። ሚኒስተር ፎዝያ ኣገንዚባ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ዝርከቡ ስድራ ስውኣት። ብህዝብን መንግስትን ዝግበረሎም ዘሎ ሓገዝን ናብዮትን። ኣብ መነባብሮኦም ዓቢ እፎይታ ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም፣ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ መነባብሮስድራስውኣት። ንምምሕያሽ ዝገብርዎ ዘለው ጻዕሪ። መርኣያ ናይ ኣብ ስውኣቶም ዘለዎም ኣኽብሮት ዝበሉ ኣቦ ስውእ ኣቶ ኢብራሂም ዓሊ። ደቀይ ብዘምጽኡለይ ናጽነት እዀርዕ። መንግስቲን ህዝብን ብዝገበሩለይ ደገፍ ድማ እጸንዕ ኢሎም፣ ሰይቲ ስውእ ወይዘሮ ሓሊማ ዓሊ ብግደኣ። መንግስቲ ደበስ እናኸፈለ። ህዝቢ ድማ ዓይነታውን ገንዘባውን ሓገዛት እናገበረ ብቐጻሊ ከምዝድግፍዎም ሓቢራ፣ ካብ ቤት - ጽሕፈት መኽፈሊ ነቑጣ ደበስ ስውኣት ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ህብታይ ጉዕሽ። ስድራ ስውኣት ካብ ሃልክን ድኻምን ንኽድሕኑ ኣብ ዓዶም ብምኻድ ከምዝኽፈሎም ብምሕባር። ኣብ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣፍዓበት። ናቕፋን ቅሮራን 2,260 ስድራ - ቤት ስውኣት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ከምእተኸፍለ ኣብሪሁ፣ ኣቶህብታይኣስዒቡ። ስድራስውኣት ካብ 2004 ብስሩዕ እናተኸፍሉ ይእለዩ ከምዘለው ጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ኣብ ነቑጣ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ጥራይ ልዕሊ 22 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ስውኣት ከምእተኸፈለ ኣረዲኡ፣ ሓላፊ ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ዑመር ኣልኣሚን ብወገኑ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ስድራ - ቤት ስውኣት ንምሕጋዝ ኣበርክቶኡ የዕዝዝ ከምዘሎ ብምግላጽ። ጉጅለታት ህግደፍ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ብወገኖም። 47 ሽሕ ናቕፋ ንማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣታዊ ከምዝገበሩ ኣነጺሩ፣ / / ኣፍዓበት - ስድራ ስውኣት ብዝግበረሎም ዘሎ ሓገዝ እፎይታ ይረኽቡ ምልክታ ናይ ወርሒ ሰነ መጽሔት ሕድሪ። ንኣንበብቲ ዘገድሱ ጉዳያት ሒዛ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሓ ኣላ፣ ዋጋ 5.00 ናቕፋ፣ መጽሔት ሕድሪ ንሓበሬታ። መጽሔት ሕድሪ ንዘተ፣

Upload: eriplanet

Post on 18-Nov-2014

254 views

Category:

Documents


8 download

TRANSCRIPT

Page 1: Haddas Eritrea - June 19, 2009

ገጽ - 4ምስትምቓር - ግጥሚታት

ሰማእቲ ²Ãö-5

ሕድሪ ሰማእታት ምትግባር ምህናጽ ሃገር’ዩ00ገጽ - 4

ምስትምቓር - ግጥሚታት ሰማእቲ

²Ãö-5ሕድሪ ሰማእታት ምትግባር

ምህናጽ ሃገር’ዩ

KkF 18 –Kq cÿ.251 ዓርቢ 19 ሰነ 2009 ²Äq 12 g³ 1.00 |iÍ

²Ãö-8ሕልናኻ ዘቕስን ተበግሶ

²Ãö-2ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ 00000000 999999922 ²Ãö-7ልዕሊ ሰማእታት ንሕልናና

ዝገዝእ ሓይሊ የለን

መስዋእቲ….ስዉኣት….ሕድሪ ስዉኣት

ብምኽንያት 20 ሰነ። መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ። ኣብ ከተማ ኣስመራ - ኣፍደገ ሚኒስትሪ ትምህርቲ። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉን ክብሩን ንዝኸፈሎ ረዚን መስዋእቲ ዘንጸባርቕ ምርኢት። ብ17 ሰነ ብሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ

ብምኽንያት 20 ሰነ። “ዓወት ንሓፋሽ” ዝተሰምየ ምርኢት ይቐርብ ኣሎ

ሰመረ ርእሶም ተኸፊቱ፣ እቲ ናይ ቅርጻ ስራሕ። ሓርበኛታት

ኤርትራውያን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ገዛእቲ ዘሕለፍዎ ሕሰምን ኣገባብ ኣረሻሽናኦምን ዝገልጽ ኮይኑ። ብቪድዮ ዝተሰነደ ህያብ ምስክርነት የጠቓልል፣

እቲ ምርኢት። እቶም ሓርበኛታት። ንዝወርዶም ዘስካሕክሕ መግረፍቲን ግፍዕታትን ተጻዊሮም። ኣብታ ናይ መጨረሽታ ህሞት ኣብ ቅድሚ ረሸንቶም “ዓወት ንሓፋሽ” ብምባል ንመስዋእቶም ብትብዓት ይቕበሉ ከምዝነበሩ’ውን ብዝርዝር ዘብርህ’ዩ፣

ነቲ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ ዘዳለወ ኣርቲስት ግደይ ገብረሚካኤል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ። እቲ ምርኢት ንጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን ሰማእታቱን ዝገልጽ ከምዝኾነ ብምምልካት። “ዓወት ንሓፋሽ” ዝብል ኣርእስቲ ድማ ረዚን ትርጒም ከምዘለዎ ኣረዲኡ፣

ካብ ተዓዘብቲ መንእሰይ ዓብዱ መሓመድኑር። “እቲ ምርኢት። ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፎ መሪር ህይወትን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ዘነጽር ቤተ መዘክር’ዩ” ድሕሪ ምባል። ናጽነት ክትዕቀብ ዘለዋ ህያብ ሰማእታት ከምዝኾነት ገሊጹ፣

ኣባል ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሰለሙን ብርሃነ ብዛዕባ ዘዳለዎ ናይ ቪድዮ መሰናድኦ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። እታ ናይ ቪድዮ ምርኢት። ታሪኽ ናብ ወለዶታት ንምስግጋር እትሕግዝ ሰነዳዊ (ዶኲሜንታሪ) ከምዝኾነት ገሊጹ፣

እዚ ምርኢት’ዚ። ክሳብ 20 ሰነ ክፉት ኮይኑ ከምዝጸንሕ ተፈሊጡ ኣሎ፣

ክብርታትካ ዓቂብካ ህዝቢ ብሓደራ ዘሰከመካ ሓላፍነት ብኣድማዕነት ክትሰርሓሉ ከምዝግባእ። ሚኒስተር ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም። ኣብ ከተማ መንደፈራ ንወከልቲ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝገበረቶ ኣኼባ ኣገንዚባ፣

ሚኒስተር ፎዝያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዞባ ደቡብ 70 ሚእታዊት ጉዳያት ብዕርቂ ከምዝደቀሱ። እቶም ዝተረፉ ድማ ብይግባይ ከምዝሓለፉ ብምብራህ። “ድልዱል መሰረት ዘለዎም ሕግታት እንዳባ ብግቡእ ክንጥቀመሎምን ኣብ ረብሓ ሕብረተሰብ ክነውዕሎምን ይግባኣና” ድሕሪ ምባል። ነዚ ንምትግባር - ደያኑ ብመንፈስ ውህደትን ስኒትን ዝኽሰቱ ጉዳያት ህዝቢ ብዕርቂ ኣብ ምፍታሕ ኣበርቲዖም ክጽዕቱ ኣዘኻኺራ፣

ሚኒስተር ፎዝያ ኣስዒባ። መብዛሕትኦም ናብ ኣብያተ-ፍርዲ ዝቐርቡ ጉዳያት ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ፍትሒ ንክረኽቡ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ኣነጺራ፣

ተሳተፍቲ ብግደኦም። ኣብ ስርሖም ዘጋጥሞም ሕጽረታት መሳለጥያ ክፍታሓሎም ብምሕታት። ሕብረተ-ሰብ ዘሰከሞም ከቢድ ጾር ብግቡእ ክሰርሑሉን ስሉጥን ጽፉፍን

ኣገልግሎት ክህቡን ድልዋት ምዃኖም ገሊጾም፣

ክኢላታት ሕጊ ብወገኖም። ንምሕደራን ኣጠቓቕማን ግዜ ዝምልከት ዝርዝራዊ ኣስተምህሮ ሂቦም፣

ሚኒስተር ፎዝያ ሃሽም። ኣብ ከተማ ደቀምሓረ’ውን ተመሳሳሊ ኣኼባ ከምዘካየደት። ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት፣

ኣብ ዞባ ደቡብ። 120 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 360 ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ። ኣብ 120 መጋባእያታት ንህዝቢ ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለው ይፍለጥ፣

ኮማዊ ደያኑ ብኣድማዕነት ክሰርሑ ከምዝግባእ። ሚኒስተር

ፎዝያ ኣገንዚባ

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ዝርከቡ ስድራ ስውኣት። ብህዝብን መንግስትን ዝግበረሎም ዘሎ ሓገዝን ናብዮትን። ኣብ መነባብሮኦም ዓቢ እፎይታ ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም፣“መንግስትን ህዝብን ኤርትራ

መነባብሮ ስድራ ስውኣት። ንምምሕያሽ ዝገብርዎ ዘለው ጻዕሪ። መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ስውኣቶም ዘለዎም ኣኽብሮት’ዩ” ዝበሉ ኣቦ ስውእ ኣቶ ኢብራሂም ዓሊ። “ደቀይ ብዘምጽኡለይ ናጽነት እዀርዕ። መንግስቲን ህዝብን ብዝገበሩለይ ደገፍ ድማ እጸንዕ” ኢሎም፣

ሰይቲ ስውእ ወይዘሮ ሓሊማ ዓሊ ብግደኣ። መንግስቲ ደበስ እናኸፈለ። ህዝቢ ድማ ዓይነታውን ገንዘባውን ሓገዛት እናገበረ ብቐጻሊ ከምዝድግፍዎም ሓቢራ፣

ካብ ቤት-ጽሕፈት መኽፈሊ ነቑጣ ደበስ ስውኣት ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ህብታይ ጉዕሽ። ስድራ ስውኣት ካብ ሃልክን ድኻምን ንኽድሕኑ ኣብ ዓዶም

ብምኻድ ከምዝኽፈሎም ብምሕባር። ኣብ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣፍዓበት። ናቕፋን ቅሮራን ን2,260 ስድራ-ቤት ስውኣት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ከምእተኸፍለ ኣብሪሁ፣

ኣቶ ህብታይ ኣስዒቡ። ስድራ ስውኣት ካብ 2004 ብስሩዕ እናተኸፍሉ ይእለዩ ከምዘለው ጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ኣብ ነቑጣ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ጥራይ ልዕሊ 22 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ስውኣት ከምእተኸፈለ ኣረዲኡ፣

ሓላፊ ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ዑመር ኣልኣሚን ብወገኑ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ስድራ-ቤት ስውኣት ንምሕጋዝ ኣበርክቶኡ የዕዝዝ ከምዘሎ ብምግላጽ። ጉጅለታት ህግደፍ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ብወገኖም። 47 ሽሕ ናቕፋ ንማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣታዊ ከምዝገበሩ ኣነጺሩ፣

ን/ዞ/ኣፍዓበት - ስድራ ስውኣት ብዝግበረሎም ዘሎ ሓገዝ

እፎይታ ይረኽቡ

ምልክታናይ ወርሒ ሰነ መጽሔት ሕድሪ። ንኣንበብቲ ዘገድሱ ጉዳያት

ሒዛ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሓ ኣላ፣ ዋጋ 5.00 ናቕፋ፣ መጽሔት ሕድሪ ንሓበሬታ። መጽሔት ሕድሪ ንዘተ፣

Page 2: Haddas Eritrea - June 19, 2009

2ሓዳስ ኤርትራ 19 ሰነ 2009

\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢዮናስ መሓሪ

ቍ.ስ 201820(2212) ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 125394

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስዘቢብ ተወልደራሄል ግርማይሓበን ስብሃቱ

ኣማኑኤል ተኽለ ኤደን ገብረመድህንሰላማዊት ክብረኣብ

ለይ-ኣውትኣገደስቲ ቴለፎናትኣገደስቲ ቴለፎናት

መጥፋእቲ ሓዊ202099202260

ፖሊስ ዞ/ማእከል ፖ/ትራፊክ ዞ/ማእከል)

120555

ማ.ቤ.ጽ. ፖሊስ ኤርትራ127799

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ152817

ሪፖርታጅፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ገስጋስ ህንጻውን ልምዓታውን መደባት ንምዕዛብ ካብ 15 ክሳብ 17 ሰነ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ኣካዪዱ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዑደቱ። ኣብ ከባቢ ዓዲ ዑመር ንናህሪ ውሕጅ ጋሽ ንምንካይ ካብ ናይ ሓጺር ጉዕዞ ኣንፈቱ ኣብ ናይ ቅድም ኣንፈቱ ንምምላስ ዝሰላሰል ስራሕ ተዓዚቡ፣ እቲ ክልተ ኪሎ-ሜተር ንውሓት። ኣስታት ኣርባዕተ ሜትሮ ብራኸን ልዕሊ ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ሜትሮ ጎንን ዘለዎ ጀሪፍ ዝበዝሐ ክፋሉ ተዓሚሙ ምህላዉ መራሕቲ’ቲ ስራሕ ገሊጾምሉ፣ ውሕጅ ጋሽ በዚ ሕጂ ተሰሪሕሉ ዘሎ ጀሪፍ ካብ’ቲ ዝኸዶ ዝነበረ 5.5 ኪሎ ሜተር ናብ 8.5 ኪሎ ሜተር ኣንፈቱ ክቕይር’ዩ፣ ስለ ዝኾነ ናህሪ ነኪዩ ነዊሕ ጉዕዞ ከም ዝኸይድ ምግባር እቲ ቀንዲ ዕላማ’ቲ ዕማም ምዃኑ እቶም ነቲ ስራሕ ዝመርሑ ዘለዎ ክኢላታት ገሊጾም፣

ብዘይካ’ዚ ብሓያል ጸፍዒ ውሕጅ ኣብ ከተማ ተሰነይ ተፈጢሩ ዝነበረ ስግኣት ንምንካይ ብጋብዮናት ዝተሃንጸ መንደቕ ብምዕዛብ ንዝያዳ ውሕስነት ብዛዕባ ክግበር ዝግብኦ ሓሳብ ዘካፈለ ፕረዚደንት ኢሳያስ። እቲ ስራሕ ክራማት ከየርከበ ንምስላጥ ዝተኻየደ ስራሕ ዝምስገን’ኳ እንተኾነ ቅርጽን ኣቃውማን’ቲ መንደቕ ኣብ መጻኢ ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣዘኻኺሩ፣ እቲ ብጋብዮናት ዝተሃንጸ መንደቕ 623 ሜትሮ ንውሓት። 2 ሜትሮ መሰረትን 3 ሜትሮ ብራኸን ዘለዎ ኮይኑ። ብልዕሊ 9400 ሜትሮ ክዩብ ኣእማን ተሰጊዱ ይርከብ፣ ምስ ክራማት ብምቅድዳም ኣብ ሓጺር እዋን ንምስላጡ ሓያል ተሳትፎ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ህዝብን ከም ዝነበረ ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣

ኣብ’ቲ ብክራማት 2007 ዝዓነወ ቀንዲ መእለዪ ውሕጅ ዓሊ ግድርን ተሃስዩ ዝነበረ ቢንቶ ተሰነይን ንምጽጋን ብሃገራውያን ኩባንያታትን መንግስታዊ ጋራጃትን ዝተኻየደ ስራሕ ኣብ ዝተዓዘበሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ። እቲ ዕማም ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ ንስራሕ ድሉው ኮይኑ ምህላዉ ብምርኣይ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሁድ ስራሕ ኩባንያታት። ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ዝቕሰም ተመኩሮ ኣብ ናይ መጻኢ ሃገራዊ መደባት ዘመሓላልፍ

መልእኽቲ ቀሊል ከም ዘይኮነ ገሊጹ፣ንጸፍዒ ውሕጅን ብኹሉ ሸነኻት

ንዝመጽእ ማይ ክጻወር ኣብ ቀንዲ መትረብ ንዝተሃንጸ መንደቕን ማፋን

ተዘዋዊሩ ብምዕዛብ ከኣ ካብ ክኢላታት መብርሂ ክወሃቦ እንከሎ። እቲ ዕማም ምሉእነት ክህልዎን ንናይ ሓዋሩ ውሕስነትን እቲ መንደቕ ብራኸ ክውሰኾ ከም ዝግባእ ኣስሚርሉ፣ በቲ ዕማም ክሳብ ኣርባዕተ ሜተር ብራኽ ዘለዎን 165 ሜትሮ ዝንውሓቱን ደጋፊ ጽርግያ መንደቕ። ከም’ውን ንውሕስነት መእለዪ ውሕጅን ጽርግያን ዘረጋግጽ ልዕሊ 4000 ትብርዒት ሜትሮ ምርብራብ እምንን ዘጠቓልል ስራሕ ከም እተሳለጠ ክኢላታት ናይተን ኣብኡ ተዋፊረን ዘለዋ ሃገራውያን ኩባንያታት ኣረዲኦም፣

ብተወሳኺ ምብሕጓግ መሬት ንምክልኻል ብክልቲኡ ውሽጣዊ ሸነኽ ቀንዲ መእለዪ ውሕጅ መትረብ ብድምር ልዕሊ 260 ሜትሮ መንደቕ 412 ሜትሮ ከኣ ብግዳማዊ ሸነኹ ክህነጽ እንከሎ። ኣብ’ቲ ከባቢ ዝውህለል ማይ ኣብ’ቲ መትረብ ጉድኣት ንኸየውርድ ሰለስተ ነናይ 1.20 ሜትሮ ሰንጣቒት ዘለዎ ማፋታት ተሃኒጹ ይርከብ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዓሊግድር ዝህነጽ ዘሎ ዲጋ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ድሕሪ ምዕዛብ ንስሉጥነት ስራሕ ብዝሕን ዓይነትን ማሽነሪ ክህሉ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር። ኣብ ግዜ ክራማት ምስንኻላት ከየጋጥም ብዛዕባ ክግበር

ዝግብኦ ሓሳቡ ኣካፊሉ፣ማይ ምውህላልን ምዕቃብን እቲ

ዝበለጸ ስራሕን ኣማራጺ ዘይብሉ ዕማምን ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ደፋኢ ሓይሊ ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ ንኽዕወት ብውሑድ ወጻኢታትን ትሑት ሃልኪ ጉልበትን ክሕሰብ ከም ዘለዎ መኺሩ፣

ኣብ ዓሊግድር ዝህነጽ ዘሎ ዲጋ ሓሙሽተ ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ኮይኑ ሸሞንተ ሚልዮን ሜተር ክዩብ ማይ ክሕዝ ትጽቢት ዝግበረሉ’ዩ፣

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መገብቲ መትረባት መእለዪ ውሕጅ ዓሊግድር ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ጽገናታት ብሓፈሻ። ኣብ መዓጹን መከላኸሊ መናድቕን ድማ ብፍላይ

ብምርኣይ። ብመራሕቲ’ቲ ስራሕ መብርሂ ተዋሂብዎ፣

ዓበይቲ ሃገራውያን ኩባንያታትን መንግስታዊ ጋራጃትን ብሓያል ውህደት ዝሳተፍሉ ዘለው መስርሕ ጽገና መእለዪ ውሕጅ ዓሊግድር ሽዱሽተ ዕማማት ዘጠቓለለ’ዩ፣ ኣብ ከባቢ ዓዲዑመር

ንሩባ ጋሽ ጀሪፍ ብምስራሕ ኣብ ናይ ቀደም ኣንፈቱ ምቅያርን ናህሩ ከም ዝንኪ ምግባር። ነቲ ኣንፈቱ ናብ ከተማ ተሰነይ ቀኒዑ ዝነበረ ኣብ ንቡር መስመሩ ምምላስ። ብጋብዮናት መንደቕ ምህናጽ ሓፈሻዊ ጽገና መእለዪ ውሕጅ ዓሊግድር ተሃስዩ ንዝነበረ ቢንቶ ተሰነይ ምውሓስ። ኣብ ቀንድን መገብትን መትረባት መእለዪ ውሕጅ ዝነበረ ድበት ብምውጻእ ምሉእ ኣገልግሎት ከምዝህብ ምግባር። ኣብ መከፋፈሊ መእለዪ ውሕጅ ዝርከብ መዓጹ መካኒካዊ ጽገና ምክያድን ንዘይነበሮ ሓደስቲ መዓጹ ምትካልን። ኣስታት 650 ሄክታር ብኣግራብ ሴሰባን ተሸፊኑ ብማሽነሪን ጉልበት ሰብን ምቁጥቃጥ። ከምኡ ድማ ማይ ንምውህላል ሓድሽ

ዲጋ ምህናጽ ኮይኑ። ቅድሚ ክራማት ክዕመም ዝተመደበ ዝበዝሕ ክፋሉ ተተግቢሩ ምህላው ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ፣

ቀጺሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንናይ ሎሚ ዓመት ክራማት ዝግበር ዘሎ ምድላው ንምዕዛብ ኣብ ንኡስ ዞባ

ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ

ጎሉጅ’ዩ በጺሑ፣ ዝነጠበት ማይ ኣብ መዓላ ንምውዓል ኣብ ማሕረስ ምድንጓያት ከይረአ። ሓይሊ ክረምታዊ ሕርሻ ናብቲ ብባህሪ ዝሓሸ ዝናብ ዝረክብ ደቡባዊ ሸነኽ ናይቲ ንኡስ ዞባ ከተኩርን ኣብ መደባት ሕርሻ ቀዳምነት ክወሃቦን መምርሒ ሂቡ፣

ኣስዒቡ ኣብ ገርሰት ኣብ ሓደ ሚእቲ ሜትሮ ብራኸ ገንኢ ማይ ንምህናጽ ዝተኻየደ ሓያል ስራሕን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ዝረኣየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ። እቲ ኣብ ትሕቲ ዲጋ ገርሰት ሰፊሕ መሬት ንምልማዕ ዝግበር ዘሎ ስራሕ ብኣድማዕነት ክቕጽል ተላብዩ፣

እቲ ብስሕበት ሰፊሕ መሬት ንኸልምዕ ዝህነጽ ገንኢ 88 ሜትሮ ንውሓትን 46 ሜትሮ ጎንን ዘለዎ ኮይኑ። 10 ሽሕ ሜተር ክዩብ ማይ ዝሕዝ’ዩ፣ እቲ ጎቦ ብምጽራግ ነቲ ገንኢ ዝኸውን ቦታ ንምድላው ብልሓትን ኒሕን ዝጠልብ ዕማም ተሳሊጡ። መሰረት ኣብ ምንጻፍ በጺሑ ምህላው ዘነይትን ንሰራሕቱ ተስፋ ዘስንቅን’ዩ፣

ኣብ ምብግጋስ ዝርከብ ፋብሪካ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣለቡ ዝተዓዘበ ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ንንኡሳን ዞባታት ተሰነይ። ሃይኮታን ጎሉጅን ን24 ዓድታት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ንምሃብ ዝድኰን ዘሎ መመንጨዊ ጸዓትን ኣብ ምትካል ዝርከባ ጀነረይተራትን ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ፣ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ትሕተ ቅርጹ ተዛዚሙ ዝርከብ መመንጨዊ ጸዓት ከተማ ተሰነይ። ሓውሲ ከተማታት ጎሉጅ። ዓሊግድር። ሃይኮታን ኣብ ከባቢአን ዝርከብ ዓድታትን ራህዋ ዝፈጥርን ኣብ ወሰናስን ሩባ ጋሽ ንዝለምዕ ዘሎ ጀራዲን ዘሰስንን’ዩ፣ ንተጠቀምቲ ጥራይ ዘይኮነ ንኹሉ ነባሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ብስራት ኮይኑ። ኤርትራ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ንእተካይዶ ዘላ ወፍርን ዓወቱን ኣጕሊሑ ዘርኢ ዕማም ኢዩ፣

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ኣብ ኣፍሂምቦል ዝሰላስል ዘሎ ልምዓታውን ህንጻውን መደባት። ኣብ ከተማ ባረንቱ ተሃኒጹ ዘይተዛዘመ መንበሪ ኣባይትን ተሪፍዎ ዘሎን ኩነታት ዕዳጋ ከተማ ባረንቱን ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዑደቱ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት ኣሰንይዎ ነይሩ፣

ዓብዱ መ/ዓንዱወ/ኣ/ዜ/ ጋሽ-ባርካ

Page 3: Haddas Eritrea - June 19, 2009

3ሓዳስ ኤርትራ 19 ሰነ 2009

ሃገርን ምቛም ሃገርን ዝተፈላለየ መስርሕ ዝሓትትን ዝተፈላለየ ውጽኢት ዘለዎን’ዩ፣ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘለዉ ሕብረተ-ሰባት። እቲ ዝዓበየ መልክዕ ኣከፋፍልኦምን መግለጺ መንነቶምን ሃገራቶም’የን፣ እንተዀነስ ኣብ ብዙሓት ደቂ ሓንቲ ሃገር ሕድሕዳዊ ምቅትታልን ምትህንዃትን ገኒኑ። ብዙሓት ሃገራት ኣብ ኣፋፌት ምርዅማሽን ምግምማዕን በጺሐን ንርእየን ኣለና፣ ኣብ ደቂ ሓንቲ ሃገር ዝረአ ናብ ምቅትታልን ንሃገር ናብ ምብርዓን ዘብጽሕን ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ንኽትርዳእ ብቐዳምነት እትውከሶ ነገር። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይ’ተን ሃገራትን ናይ’ቶም ኣብ ሓደ ጂኦግራፍያዊ ቅርጺ ተጠርኒፎም ዘለዉ ሕብረተ-ሰባትን’ዩ፣

ደቂ ሰባት (ሕብረተ-ሰባት) ቅድሚ ብሃገር ደረጃ ምጥርናፎም። ኣቃውምኦም ብመልክዕ ቀቢላ። ብሄር። ሃይማኖትን ጸቢብ ጂኦግራፍያዊ ኣከባቢን’ዩ ነይሩ፣ እዚ ኣከፋፍላ’ዚ ከኣ ብርዱእ ምኽንያታት ኣብ ቀጻሊ ምጕርፋጥን ምትህልላኽን ንኽነብሩ የገድዶም ነበረ፣ ድሕሪ ነዊሕ መስርሕ ምፍሳስ ደምን ዕንወት ንብረትን ግን። ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰባት ንዘለዎም ፍልልያት ተቐቢሎም ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ጂኦግራፍያዊ ኣከባቢ ሓቢሮም ክነብሩን ኣብ’ቲ ከም ልዑላዊ መሬቶም ዝኸለልዎ ቦታ ንዝርከብ ባህርያዊ ጸጋታት ድማ ሓቢሮም ብማዕርነት ክማቐልዎን ሓባራዊ መረዳእታ ብምምዕባል። ናብ ምቛም ሃገር ዘሰጋግሮም ባይታ ኣንጺፎም፣ እዞም ብኸም’ዚ ዓይነት ናይ ሓባር ጸገም ሰገሩን ኣብ ሓደ እዋን ሓባራዊ መረዳእታ ዘማዕበሉን ሕብረተ-ሰባት። ሃገር ምስ ኣቘሙ ዳግም ናብ ሕድሕዳዊ ምትህንዃት ክምለሱ ዘለዎም ተኽእሎ ‘ምበኣር ዝጸበበ ይዀነሎም፣ ምኽንያቱ። ሃገር ማለት ኣብ መወዳእቱ ሓባራዊ መረዳእታ ምምዕባል ማለት ስለዝዀነ፣ ሓባራዊ መረዳእታ ክበሃል እንከሎ። ንዘለካ ሃይማኖታዊን ብሄራዊን ፍልልያት ተቐቢልካ። ሕድሕዳዊ ተጻዋርነት ኣማዕቢልካ። ባህርያዊ ጸጋታትካ ሓቢርካን ብማዕረን ክትጥቀመሉ ምሕሳብን ምስ’ቶም ከም ደቂ ሃገርካ ዝተቐበልካዮም ብሃይማኖቶም ወይ ብብሄሮም ካባኻ ዝተፈልዩ ሰባት ብሓደን ብፍቕሪን ምንባርን ነታ እትነብረላ ሃገር ክትስውኣላ ንቕሓት

ምምዕባልን’ዩ፣ ኣብ ኤርትራ መስርሕ ምቛም ሃገር

ካብ ቅድሚ ኣማኢት (ወይ ኣሽሓት ዓመታት) ዝጀመረኳ እንተዀነ። ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 100 ዓመት ዝተራእየ ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ ግን መዳርግቲ ኣልቦ’ዩ፣ መሰረት ናይ’ዚ ዳሕረዋይ ታሪኽ። ብርግጽ እቲ ቅድሚኡ ዝተዋህለለ ተመኵሮን ታሪኽን’ዩ፣ እንተዀነ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህለለ ታሪኽ ሕብረተ-ሰብ ተወኪሱ። ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ተቐቢሉ ነቲ ሃገር ንምቛም ዝጀመረ ጕዕዞ ሕብረተ-ሰብ ክቕጽል ዝብገስ ህዝቢ ግን ኣጥርይዎ ዘሎ ንቕሓት ክሳብ ክንደይ ልዑል ምዃኑ ኣየማትእን፣ ብፍላይ እቲ ኣብ ዳሕረዋይ 30 ዓመታት ብዕጥቃዊ ቃልሲ ሃገር ንምምጻእ ዝተኻየደ ጻዕሪ። መርኣያ ናይ ኣብ ጥርዙ ዝበጽሐ ንቕሓት ገድሊ’ዩ ነይሩ፣ እቶም ንብሄራዊን ሃይማኖታዊን ድሕረ-ባይታኦም ረሲዖም። ደቂ ሓንቲ መሬት ምዃኖም ብምእማን። ነቲ ኣብ ከርሲ’ዛ መሬት ዘሎ ባህርያዊ ጸጋታት ብማዕረ ክጥቀምሉ ከምዘለዎም ጥራይ ዘይኰኑስ። ኣብ ከርሲ’ዛ መሬት ብማዕረ ክንቈቱ ከምዘለዎም ብምርዳእ ዝጸሓፍዎ ታሪኽ። ንወለዶታት ዘሐብንን ከቢድ ጾርን መብጽዓን ዘሰክምን’ዩ፣ ኤርትራ ‘ምበኣር ሓበራዊ መረዳእታ ጥራይ ብዘማዕበሉ ህዝቢ ዝቖመት ሃገር ኣይኰነትን፤ ኪንዮኡ ብምስጓም ነታ ብሓባራዊ መረዳእታ ኣማዕቢሎም ሃገሮም ምዃና ዝኣመኑላን ዝተቐበሉዋን ሃገር ሓባራዊ መስዋእቲ ብምኽፋል ዘምጽእዋ’ያ፣ ሓባራዊ መረዳእታ ዘማዕበለ። ሓባራዊ ጭኰና ዝረኣየን ሓባራዊ መስዋእቲ ዝኸፈለን ህዝቢ። ሃገር ምቛም ዘድሊ ዝለዓለ ረቛሒታት ረኺቡ ብምህላው። ማሕበራዊ ስጥመትን ሓድነትን ዝመለለዪኣ ሃገር ንምቛም ዝለዓለ ብልጫ ኣለዎ፣ እዚ’ዩ ከኣ ንኤርትራ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝፈልያ፣ ነዛ ብናይ ወለዶታት ቃልሲን መስዋእቲን ዝመጸት ሃገር ንምዕቃብን ንናጽነታን ልኡላውነታን ትርጕም ዝህብ ስራሕ ምክያድን’ዩ ድማ እቲ ሕድሪ ስውኣት ተባሂሉ ዝግለጽ ኣምር፣

ምእንቲ’ታ ምስ ካልኦት ሓቢርካ እትነብራ መሬት ህይወትካ ወፊኻ።

ህይወት ካልኦት ከተድሕን። ህይወት ወለዶታት ከተውሕስ ምድላይ ዝለዓለ ንቕሓት ዝወልዶ ፍልስፍና’ዩ፣ እቶም ሰማእታትና ኢልና እንገልጾምን ወትሩ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ስጕሚ ህይወትና እንዝክሮምን። መቐረት ህይወት ስለዝጸልኡ። ምንባር ስለዘሰልቸዎም። ፍቕሪ ስድራን ናብራን ስለዘይብሎም ኣይኰኑን ናብ ሞት ዝጐየዩ፣ መቐረት ህይወት ስለዝፈልጡ። ምንባር ስለዝበሃጉ። ፍቕሪ ስድራን ናብራን ስለዘለዎም’ዮም ህይወቶም ክኸፍሉ ዝወፈሩ፣ ነቲ ድሕሩ ስዒቡ ዝመጽእ ወለዶ ስለዘፍቀሩ’ዮም ንገዛእ-ህይወቶም ምንባር ዝዀነኑ፣ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ፍቕሪ ዘለዎ’ዩኮ ንመስዋእቲ ምቕባል ዝገሃድ፣ ኣብ’ቲ ፍቕሪ ማሚቖም ክነብሩ ስለዝተሃንጠዩ’ዮም ንመስዋእቲ ኣብ በዓትታት። ስንጭሮታትን ጣሻታትን ዝደለይዋ፣ የግዳስ እቲ ምንባር ብኻልእ መልክዕ። እቲ ህይወት ዝተፈልየ’ዩ፣ ሃገርን ሕብረተ-ሰብን ሰንሰለት ናይ ወለዶታት’የን፣ ኣብ’ታ ሰንሰለት ዝርከባ ነፍሲ-ወከፍ ቀለቤታት ነናተን ብጽሒትን ትጽቢት ኣበርክቶን ኣለወን፣ እታ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ወለዶ እትጠምር ቀለቤት። መስርሕ ንቕሓት ሃገራውነትን ውዳበን እትጠልብ’ያ ነይራ፣ ስለዚ እቶም ናይ’ቲ መድረኽ ወለዶ ነቲ ናይ እዋኖም ጠለብ ተቐቢሎም። ንጕዕዞን ኣበርክቶን ናይ’ቶም ኣብ’ታ እትስዕብ ቀለቤት ዝመጹ ወለዶ ባይታ ኣንጺፎም፣ እቶም ዝሰዓቡ ወለዶ ከኣ ንምእማኑ ብዘጸግም። ብልዑል ቴክኖሎጂ ተሰንዩ ኣብ እተሰርሐ ፊልም ‘ምበር ኣብ ክዉን ዓለም ክትርእዮ ዘይትሓልሞ ቅያታትን ጅግንነትን ብምስራሕ። ነቲ ናይ መድረኾም ጠለብ ኣማሊኦም፣ እቲ ከቢድ መስዋእቲ ዝሓትት ጠለብ። እቲ ምንባርካ ሓዲግካ ክትሓልፍ ዝሓትት እዋን። እቲ ንስነ-ህይወታዊ ተፈጥሮኻ ተጻቢእካ ሓላፍነትካ ክትፍጽም ዝጽውዕ መድረኽ። መጠኑ ዝሓለፎ ንቕሓት ዘጥረየ ሰብ ጥራይ’ዩ ክሰግሮ ዝኽእል ነይሩ፣ በቶም ነቲ ንቕሓት’ቲ ዝበጽሕዎ ወለዶ ከኣ ተሰጊሩ፣ እቲ ወለዶ’ቲ። ሓንቲ መዝሙር’ዩ ዘሚሩ። ንኩሉ ደረጃ ንቕሓቱን ነቲ ናይ እዋኑን ናይ ዝመጹ ወለዶታትን

ፍልስፍና እትገልጽ ሓንቲ ጭርሖ’ዩ ኣልዒሉን ኣድሚጹን - “ዓወት ንሓፋሽ!!”፣

ዓወት ንሓፋሽ - እንታይ ማለት’ዩ? እዚ ጭርሖ’ዚ ወግዓዊ ጭርሖ ህዝባዊ ግንባር ኰይኑ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ (1977) ምስ ጸደቐ። ከም ቅዱስ ቃል ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍ ተጋዳላይ ሰሪጹ፣ ስድራ-ቤታዊ። ዕርክነታዊ። ገድላዊ ደብዳቤታት ምስ ተጻሒፉ። ብዓወት ንሓፋሽ ይዛዘሙ፣ ኣኼባታት ምስ ተኻየዱ ብዓወት ንሓፋሽ ይዕጸዉ፣ ዝተሰውአ ብጻይ ወይ ብጸይቲ ምስ ተቐብሩ። ድሕሪ ዝክረ ሰማእታት። “ዓወት ንሓፋሽ!” ይጭራሕ፣ ሰባት ኣብ ብክልተ ቃላት (ሸውዓተ ፊደላት) ዝቘመት ሓጻር ሓረግ ብዘይ ወለቕ-ዘለቕ ሰጢሞም፣ ካብ መታሕት ዝመጸ ካብ ከበሳ። ካብ ምዕራብ ዝመጸ ካብ ምብራቕ። ካብ ሰሜን ዝመጸ ካብ ደቡብ። ካብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ዝመጹ። ሓረስታይ ሸቃላይ። መምህር ተማሃራይ። ነጋዳይ ዓያያይ። መሃይምነት ዘጥፈአን ዘየጥፍአን፣ ሰበይቲ ሰብኣይ ኩሎም ኣብ ዓወት ንሓፋሽ ኣሚኖም፣ ንዓወት ንሓፋሽ ርሂጾሙላ። ደምዮሙላ። ኣዕጽምቶም ሰይሮሙላ። ስጋኦም ተመጅሊጦሙላ። ብዓቢኡ ከኣ ህይወቶም ኣብ ሳንዱቕ ሞባእ ሓንሳእን ንሓዋሩን ወቲፎሙላ። “ዓወት ንሓፋሽ” ኢሎም ክዝምሩን

ክጭርሑን እንከለዉኸ እንታይ ማለቶም’ዮም ነይሮም? ባዕልኻ ንዝፈጠርካዮ ነገር’ሲ ከም ቅዱስ ቃል ትስዕቦ? ኣንጻሩ ንዝተላዕለ ትውግዞ? እንታይ ድዩ ፍልስፍንኡ? እንታይ ድዩ መልእኽቱ? እንታይ ድዩ መትከሉ? እቲ ምስጢር ንቕሓትን ናብ መስዋእቲ ምጕያይንኮ ኣብ ዓወት ንሓፋሽ’ዩ ተኣሊሙ ዘሎ፣ ዓወት ንሓፋሽ ክብሉ እንከለዉ። ህዝቢ ክዕወት ኣለዎ ማለቶም’ዮም፣ ህዝቢ ግን እንታይ’ዩ ዝዕወት? “ዓወት” ሰፊሕ ኣምር’ዩ። ዓወት ንዝተወሰነ ንጥፈት ጥራይ ዝገልጽ ኣይኰነን፣ ከምስፍሓቱን ዘይውሱን ዶባቱን ከኣ። ርዝነቱ ይውስኽ፣ ሓርነት። ናጽነት። ብልጽግና። ፍትሒ። ማዕርነት። መሰል። ምዕባለ ንህዝቢ ዘድልይዎን ክዕወተሎም

ስዋእቲ….ስዉኣት….ሕድሪ ስዉኣትዘለዎምን’ዮም፣ ክዕወተሎም ማለት ከኣ ብዝለዓለ ደረጃ ከረጋግጾምን ፍሬኦም ከስተማቕርን ኣለዎ ማለት’ዩ፣ እዚ ግን ናይ ወለዶታት መስርሕ ደኣ ‘ምበር። ኣብ ሓደ ወለዶ ዝረጋገጽ ኣይኰነን፣ ካልእ ምስጢር ናይ “ዓወት ንሓፋሽ” ድማ ኣብኡ ይገሃድ፣ “ዓወት ንሓፋሽ” ነዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ምስ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ተኣምር ዝጸሓፈ ወለዶ እትጠምሮ ምስጢራዊት ገመድ ምዃና ይገሃደልካ፣ “ዓወት ንሓፋሽ” ነዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ምስ’ቲ ድሕሪኡ ዝስዕብ ወለዶ እተተኣሳስሮ ገመድ ኰይና ትረኽባ፣ ሕድሪ ስዉኣት ብጥቕልሉ ኣብ ዓወት ንሓፋሽ ተጸፍጺፉ ይጸንሓካ፤ ዓወት ንሓፋሽ ንባዕላ እታ ቀንዲ ሕድሪ ሰማእታት ኰይና ትረኽባ፣ ቅድሚ ትንፋሶም ምሕላፋ። “ዓወት ንሓፋሽ!!” ኢሎም ዝሓልፉ ዝነበሩ ሰማእታትናስ። ዘይስገር ከቢድ ጾር ኣንቢሮሙልና ምህላዎም። ን”ዓወት ንሓፋሽ” ምስፈተልካያ ትረኽቦ፣ ሓይሊ ሓሳብ ክሳብ ክንደይ ረዚን ምዃኑ ዓወት ንሓፋሽ ተነጽረልካ፣ ባዕልኻ ንዝፈጠርካዮ ሓሳብ ህይወት ብምኽፋል ክብደቱን ትርጕሙን ክትገልጽ ምኽኣል። ናይ ንቕሓት መግለጺ ጥራይ’ዩ፣

እዚ መድረኻዊ ወለዶ። “ሕድሪ ስዉኣት ተቐቢልና ኣለና” ክብል እንከሎ ‘ምበኣር። ክሳብ ክንደይ ንኩሉ መዳያዊ ከቢድ መኸተ ክገጥም ይሳግም ምህላዉ የብርሃልካ፣ ሃገር ካብ ዝዀነ ግዳማዊ ተጻብኦታት ብደም ንምውሓስ። ሃገር ብምዕሩይን ዝርግሑን ኣገልግሎታት ንኽትመልእ። ሃገር ናይ ውሑዳን ተበለጽቲን መንጨትቲን ንኸይትከውን። ፍትሒን ማዕርነትን ዝሰፍና ሃገር ንኽትህሉ። ህዝባ ብሓበንን ኵርዓትን ዝነበረላ ብኽልተ እግራ ደልዲላ ዝረገጸት ሕፍርቲን ክብርቲን ሃገር ንምህናጽ ብግብሪ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘረጋግጸሉ ቃል’ዩ፣ እቲ ዓወት ንሓፋሽ ዝብል ሕድሪ ሰማእታት ዝገልጽ ቅዱስ ቃል። ብግዜ ዘይበሊን ሰንሰለት ወለዶታት እናተቐባበሉ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ክኸድዎ ዘለዎም ጕዕዞ ድሮ ተጀሚሩስ። ነዊሕ መንገዲ ተሓሊፉ ኣሎ፣ እንተዀነ ሕድሪ ስውኣትና ንምትግባር። ንቃልና ብግብርና ወትሩ ከነሰንዮ ከምዘለና ክንዝግዖ ኣይግባእን፣ ክሳብ ሕጂ ዝዓመምናዮ ስራሕ ዓቢ’ኳ እንተዀነ። ኣብ’ቲ ገዚፍ ካንቫስ ሕድሪ ሰማእታት ኣእቲና ክንጥምቶ እንከለና ግን። ዝገዘፈ ስራሕ ይጽበየና ከምዘሎ ደሚቑ ይረኣየና፣ ሕድሪ ሰማእታትና ንምትግባር እንሕተቶ ዋጋ። ንኹሉ ዓይነታት ዋጋ - ደምናን ርሃጽናን። ህይወትናን ኣካልናን። ዕድላትናን ዕድመናን - ዝሓተና ምዃኑ ንንቀሓሉ፣ ድሮ’ኳ ደምናን ህይወትናን ዝሓተተ ዋጋ ከፊልና ኢና። ድሮኳ ርሃጽና። ዕድላትናን ዕድመናን ዝሓተና ዘሎ ወፍሪ ራህዋ ነካይድ ኣለና፣ ሕድሪ ኢናኮ ንፍጽም ዘለና፣ ብመጠን’ቲ ሕድሪ ስውኣትና ንምትግባር ዝኸፈልናዮ ዋጋ። እንረኽቦ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅሳነትን እነረጋግጾ ራህዋን ይስስነልና፣ ብመጠን’ቲ ሕድሪ ሰማእታትና ንምትግባር ዝሓለፍናዮ መስርሕ። ምስ’ቶም ህይወቶም ንድሕነትናን ህይወትናን ዝኸፈሉ ሰማእታትና ዘሎና ምትእስሳር ነዛይዶ፣ ብመጠን’ቲ ምስ ሰማእታትና ዘሎና ምትእስሳር ዘዛየድና ከኣ። ብኹሉ መዳያ ዝደልደለት ሃገር ብምፍጣር። ከም ሕብረተ-ሰብን ህዝቢን ኵርዓትና። ሓበንናን ክብረትናን ጥርዚ ከነደይቦ ኢና፣ ነቶም ህይወቶም ብምኽፋል ኣብ ልዕሌና ከቢድ ፍቕሪ ከምዘለዎም ዘረጋገጹልና ሰማእታትና። ሕድሮም ብምትግባር ኣብ ልዕሊኦም ዘለና ፍቕሪ ዓጸፌታ ምዃኑ መልእኽቲ ንስደደሎም፣

መብራህቶም ዕንቊባሕሪኣስመራ

Page 4: Haddas Eritrea - June 19, 2009

4ሓዳስ ኤርትራ 19 ሰነ 2009

ካብ ተ

ሞኩ

ነቐፌ

ምስትምቓር - ግጥሚታት ሰማእቲ ስዉእ ዑቚባጋር ገብረትንሳኤ

ባህሪ ኣብ ምግላጽ ዝነበሮ ዓቕሚ’ውን ኣብ ዝበዝሐ ደርፍታቱ ትረኽቦ ብልጫ ኢዩ፣ ከም ዝኾነ ስነ ጥበበኛ ከባቢኡ ናይ ምዕዛብ። ምስትምቓር። ልዕሊ ኩሉ ናይ ምስኣልን ምቕራጽን ዝነበሮ ክእለት’ውን ንኡስ ኣይነበረን፣ ስምዒት ተደመሮ ህሞተ ኩነት ብውሑዱ ናይ ደርፊ ግጥሚ ካብ ዘስምዩ ባእታት ኢዮም፣ ኣብተን ዘተቐርጻ ደርፋቱ። ሰብን ከባቢኡን። ባህርን ባህርያዊ ጽባቐኡን ንምግላጽ ዝጥቀመሎም መስመራት’ውን ተዘከርቲ ኢዮም፣ ሓንቲ ካብተን መሰጥቲ ንባህሪ ዝገልጻ ደርፍታቱ። ከዋኽብቲ ትብል ኢያ፣ ኣዝማች ናይታ ደርፊ ብኸምዚ ኢዩ ዝጅምር፣

እታ ዓባይ ወርሒብዙሓት ከዋኽብቲ

ጸረ ናይ ጸላምናይ ለይቲ መብራህቲ

ሽፋን ዓይኒ ቀንጢጦምዝውግዱ ንጸልማትወርሕን ከዋኽብትን

ናይ ጠፈር ፍጡራት፣ እዛ ደርፊ ብጥበባዊ ዓይኒ

ክስተማቐር ዝኽእል ጥረ ነገራት ኣለዋ፣ ዝሓዘቶ ቁም-ነገር። ብቐጥታ ባህርያዊ ጽባቐ ወይ ናይ ተፈጥሮ መልክዓትን ኣበርክቶን በቲ ሓደ። ርእሲ ዂሉ ግን። ብምልክታት ዝቐረበ ሓቅታት ኣሎ፣ ጸልማት መግዛእቲ። ፈጠርቲ ወይ ኣምጻእቲ ብርሃን ከኣ እቶም ከዋኽብቲ፣ ኣብ ዝርዝር እንተ ኣቲኻ። መበገሲ ምትሓዝ ከድሊ ኢዩ፣ “ዓባይ ወርሕን ከዋኽብትን። ጸላምን ጸረ

ጸላምን። ሽፋን። መብራህትን” ንዝብሉ ቃላትን ሓረጋትን ብውልቆምን ብድምርን ዝትርጎሙ ሓሳባት ዝጠርነፉ ቃላት ወይ ድምጺታት ትረኽበሎም፣ ጸርጊ ወርሕን ከዋኽብትን

ባህርያዊ ብርሃን ኢዩ፣ ባህርያዊ ሓቂ ከኣ’ዩ፣ ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ህይወትን ትርጉም ምንባርን ቀይርካ ምቕራብ ከኣ ጽባቐ ኢዩ፣ ጥበብ ኢዩ፣ ብልሙድ ኣረዳድኣ። ወርሒን ከዋኽብትን ብለይቲ ንተጓዓዛይ። ነባራይ። ዝንቀሳቐስ… ዓይኒ። እግሪ። ርእሲ። ፍኖቱ ኢዮም፣ ብእኦም ይምራሕ፣ ብእኦም ይጓዓዝ፣ ጉዕዞ’ዩ- እዚ ተራ ፍልጠት ኢዩ፣ ናብ ጥበብ ክቕየር ከሎ ግን ተወክሎ ይርከቦ ኢዩ፣ ከዋኽብቲ። ከም ተጋደልቲ ክውሰዱ ይክኣል፣ መግዛእቲ ከም ጸላም፣ ነቲ ጸላም ንምቕንጣጥ ይነብሩ። ይቃጸሉ። ይበርሁ።። እቲ ጉዕዞ። ካብ ጸላም ናብ ብርሃን ኢዩ፣

ኣማሰይቲ ብርሃንቅርጾም ተፋታዊ

ስልማት ናይ ሰማይቀወምቲ ባህርያዊ።ባዕሎም ንባዕሎም

እናተንጸባረቑናብታ ጸላም መሬትብርሃኖም የውድቑ፣

ጸርጊ ሓይሊ ኢዩ፣ ብርሃን ንጸላም ይስዕሮ፣ ከዋኽብቲ ሰራዊት ሰማይ’ዮም፣ ሰራዊት ብርሃን፣ ቀጽሮም። ጸዳል፣ ቅናቶም ኣኽሊል ብርሃን፣ ፈጠርቲ ብርሃን ግን ከኣ ንዝያዳ ብርሃን ዝነበሩ፣ ንጸላም ጸሪጎም። ንጸላም ይሃድኑ፣ ንሶም ወዲቖም። ንጸላም የውድቑ፣ ብጥበብ ብውከላዊ እንተተጠሚቱ። እቲ ጸላም መግዛእቲ ክቕንጥጥ ንስለ መሬቱ ዝነብር። ዝወድቕ ማለት ዝስዋእ። ትርጉሙ ብርሃን ንምፍጣር ኢዩ፣ ሓርነት ንምምጻእ ኢዩ፣ ገስጋሲ ኢዩ ሓይሎም። ብትንፋሶም ይስልሙ፣ ብትንፋሶም የንብሩ፣ “ባዕሎም ንባዕሎም” ናይ ገዛእ ርእሱ ስፍሓት ሓሳባት ኣለዎ፣ ካልእ ዝርዝራት ዝመርሕ ሓሳባት፣ ካብ ካልእ። ካብ ደገ ዳጌፋ ኣይጽበዩን።። ሓልዮት ግን ኣለዎም፣ ሕድሕዶም ይደጋገፉ፣ ይንጸባረቑ፣ ምንጽብራቕ። ወሲድካ ምሃብ ኢዩ፣ ተቐቢልካ መሊስካ ምስግጋር፣ ኣሰር ስዒብካ ኣርኣያ ምዃን፣ እቲ ገዲም ስለ እቲ ሓድሽ ቅድሚት ይሓልፍ፣ ንሱ ከኣ ነቲ

ዝስዕቦ የረክብ፣ ካብ ሓደ ናብቲ ካልእ የብጻሕ፣ እቲ ምልግጋብ ከኣ ብቐሊል ዝተኣስረ ኣይኮነን፣ ልክዕ ከምቲ ድምቀት ወርሒን

ከዋኽብትን ኣብ ግብ ዝበለ ጻላም ዝያዳ ኳዕታኦም ዝርኣ። ተጋዳላይ’ውን ኣብቲ ዝጸንከረ ኩነት ኢዩ ጽባቐኡ ዝጋሃድ፣ ጽንዓቱ። ተወፋይነቱ። ናይ ቃልሲ ወኑ።….ኣብ ከቢድ ኩነትን ጽንኩር ሃዋህውን ኢዩ ዝጎልሕ፣

ኣብ ጠልጠል ሃዋህውፍንትት ኢሎም ካብ ምድሪ።

ለይቲ ናብ ስራሖም ይሽፈኑ ብቐትሪ።

ምስ ዙረት ናይ መሬትእናተቐያየሩ።ለይቲ ይፍኖ

ከም ወትሩ ብርሃኖም ንሓዋሩ፣ጉዕዞ ገድሊ። ገደል ኢዩ፣ ናይ

ምረቱ። ጽንክሩነቱ።.. ኣብ ታሪኽ ናይ ዝኸበደ-ዝኸበደ ኢዩ፣ እቲ ምንባር። ምቕጻል። ምጉዓዝ። ካብ ጸላም ወጺእካ ብርሃን ምፍጣር ከኣ። ዘይቀሊል ዋጋ ኢዩ ዝሓትት፣ ክትበርህ። ጸላም ትስዕር፣ ብርሃን ክትፈጥር ትቃጸል፣ ካብ ጸላኢ ከይረሓቕኻ። ፍንትት ጥራይ ትብል፣ ብለይቲ ይስራሕ፣ ካብ

ደብዳብ ትኽወል፣ ቀትሪ’ውን ነቲ ብለይቲ ትዓሞ ትፍጽም፣ ብርሃን ከይተጸርገወ። ጸላም ኣይክወለን ኢዩ፣ ንሓዋሩ’ውን ብርሃን ኣይህልውን ኢዩ፣ ምግዳል ምንባር ኣብ ናይ

ረጽሚ ዓውዲ ኢዩ፣ እቲ ዓውዲ። ዓውዲ ደመ ዓጽሚ ኢዩ፣ ብህይወት ዝፍጠርን ዝኽየድን ዓውዲ ምፍጣር ብርሃን ኢዩ፣ ኣብ ምፍጣር ብርሃን። ምኻድን ምዝላቕን ኣሎ፣ ህዝቢ ነቶም ከም ስልማቱ ዝርእዮም ከዋኽብቲ ከማዕድው ኢዩ ዝነብር፣

ሓደ-ሓደ ግዜ ኣብ ጸላምደበና ይሽፍኖም

የጠራጡሩኻ ትብልየለዉን ግዲ ኢዮምንፋስ እንተመጺኡ

ምስ ገልሆ ነቲ ደበናተሰሊሞም ትርእዮም

ክኣትው ብባናእቲ ስእላዊ ገጽ ናይዛ ማይቤት።

ንዑደታዊ ጉዕዞ ወርሒን ከዋኽብትን ልዕሊ ኹሉ ወዲ ሰብ ምስ ባህሪ ዘለዎ ምትእስሳርን ኢዩ ዘርእየና፣ ኣብ ምጥማር ውከላ ግን። ነቲ ህሞተ ኩነት ኣተኣሳሲርካ ክትገልጾ ከለኻ ዝያዳ ይደምቕ፣ እታ ግጥሚ’ውን ብኸምዚ መእሰሪ’ያ ትዛዝም፣

ወርሕን ከዋኽብትንመብራህቲ ናይ ሰውራ

እታ ጸላም መሬትግዝእቲ ኤርትራ

ዋልታ ናይ ሓፋሽሰውራውያን ተቓለስቲ

ምንጪ ናይ ብርሃን’ዮምከዋኽብቲ ንሶም’ዮምእቶም መብራህቲ፣

2ይ ክፋል

እግረይ ከይኣተኹ ብተሪር ድምጺ “ንምንታይ ኢኻ ጽሒፍካያ?” ኢሎም ሓተቱኒ-መምህር፣ ዘይቡር ሕቶ ድምጾም እንተላይ ንዕኦም ኢዩ ኣሰንቢድዎም፣ ገጾም ቀኒዐ ክርእይ ኣይደፈርኩን፣ “ህይወትን ጽሕፍቶን” ብቑልጡፍን ብሓጺርን መሊሰሎም፣ ግር ኢሉዎም፣ “ልዕሊ ዓቕመይ ዶ ተዛሪበ ኢየ” ኢለ ክሳብ ነብሰይ ዝሓትት። ደሪቖም ጠመቱኒ፣ ኣጣምታኦም ትንፋስን ምንቅስቓስን ዘለዎ ኮይኑ ኣይተሰምዓንን፣ ግን ብፈዛዝ ቈላሕታ ኣርሒቖም ዝሓስቡ ሰባት ክህልው ከም ዝኽእሉ ንምግማት ኣይሽገርን፣ ብዕላል መምህር ዝፈልጦም ናይ ዛንታ ሓደ ሰብ ኣሎ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ደው በለ፣ እቲ ሰብ። ኣብ ውዑይ ዕላል። “ፈረር-ፈረር” እናበለ ኣፍ-ኣፍ ኣዕላሊ ኢዩ ዝርእይ፣ ንቚሕ ሰማዒ ይመስል ግን። መስገሊ ኢዩ፣ “ኣሎ” እናበልካዮ ቀልቡ ዝርሕቕ ሰብ ኢዩ፣ ምንቅስቓስ ከናፍሩ ነቲ ዕላል ብዕምቈት ዝከታተሎ ዘሎ ኢዩ ዝመስል፣ ንጋሻ። መቃልሕ ዝደገም ወይ ተቐባላይ ናይ ደርፊ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዖ፣ ንሱ ግን ኣብ ካልእ ዓለምን ሓሳብን ኢዩ ዝገይሽ፣ ክሳብ ኣርእስቲ ሓደ ዕላል ዝዕጸውን ካልኣይ ዝድገምን ኣይርድኦን ኢዩ፣ መምህር ብዛንታ ናይቲ ሰብ ኬይመሰሉ ምስ ጋሻ ንዕላል ኣፎም ኣይከፍቱን ኢዮም፣ ምስጋለይ ፈሊጠ ቀልጢፈ ነቲ ኣስገለ ዝብልዎ ሰብ ኢየ ዘኪረ፣ ከይሓተቱኒ ከኣ ባዕላይ ቁምነገር

“ጸንብር እምበር ኣይትደባልቕ”ናይታ ብመልክዕ ድራማ ኬቕርባ ዝጸሓፍኩዋ ዛንታይ ክትንትነሎም ጀመርኩ፣ “ሓሳበይ ብዝተፈላለየ መገዲ

ኢየ ኬቕርቦን ኪትርጉሞን ፈቲነ፣ ስእሊ ኣብ መቓን ኢየ ኣእትየዮ፣ እታ ስእሊ ዓንዲ ኮይና። ብሱሉስ ኣስተብህሎታት ክትርጉማ ሃቂነ፣ እዚ ማለት” ኢለ። ስምዒቶምን ትዂረቶምን መዚንኩ፣ ሓሳበይ ንምግላጽ ክቕጽል ኣተባቢዑኒ፣ “ብስእሊ ምንባር። ኣብ ስእሊ ምንባርን ስእሊ ምፍጣርን ኢዩ እቲ ዘይጭበጥ ሓሳበይ፣ ነዚ ግን ብተምኩሮ ኢየ ክትንትኖ፣ ንንነፍሲ ወከፍ ሓሳብ። ብዛንታ ክጭብጣ ፈቲነ ኣለኹ፣” በልኩዎም፣ “እዝስ እቲ ዘንበብክዎ ኢኻ ትደግመለይ ዘለኻ፣” ኩልፍ ኣበሉኒ፣ ምቁር ሕብስቲ ካብ ኣፈይ

ዝመንጠሉኒ ኮይኑ ኢዩ ተሰሚዑኒ፣ “ረቂቕ ሓሳብ ኢኻ ኣበጊስካ። ግን ረቂቕ ትንተና ኣይረኸብካን፣ ምውሳብ ናይቲ ስሉስ ሓሳባት ተረሓሒቑ፣ በበይኑ ክትዝርዝሮ ፈቲንካ ግን ሓደ ንኹሎም። ወይ ሓደ ኣብ ኲሎም ክህልው ኣይክእልን ዶ? በዚ መንጽር እዚ እንተጠሚትካዮ ዝዓብየ ነገር ከተስተብህለሉ ዝግባእ። ወትሩን ፈለማን ግዜ ኢዩ፣ ኣብ መቓን ተመኩሮ ጥራይ ምድራት። ምውሳን ትንታነ ኢዩ ዘስዕብ፣ ብግዜ ክትሰፍሮን ክትዕቅኖን ዘይምኽኣል። ከም ንግራት ወሰን ወይ ጫፉ ምፍላጥ ጥራይ ኢዩ፣ ግራት ግን ክንዲ ብላዕሊን ስፍሓትን ጥራይ ምፍላጥ ጥልቀቱ ምፍላጥ ኢዩ ዝያዳ ዘገድስ፣ እቲ ፍረ ካብ ስፍሓት ዘይኰነ ካብ ጥልቀት ኢዩ ዝውሰን፣ ካብ ሽሕ ሄክታር ዘይፍርያም መሬት። ትለምዕ ሓንቲ ቃጽዖ ትምረጽ፣” ሓቀይ ዶ ብዘስምዕ ኣጣምታ ሕቶ ሰው ኣበሉለይ፣ “ደረቕ ስእሊ ምስ ግዜ። ዝሰፍሕን

ዝዓሙቚን ምስጢር ኣለዎ፣ እቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመት ዝነበሮ ምስትምቓር ይውስኽ እምበር ኣይጎድልን ኢዩ፣ ፎቶ ግራፍ ዝሕዞ ቦታ ሰነድ ኣብ ታሪኽ። ዓቢ ግምት ኢዩ ዝወሃቦ፣ ንምንባርን ኣነባብራን ናይ ውሱን ክፋል ሕብረተሰብ ክውክል ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ። ባዕለ ናይ ምግላጽ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ፣ በዘይ ነጋሪ ተወሳኺ ሓበሬታን ዝርዝራትን ከስምዕ ይኽእል፣ ኣቤት ኣብ ስእሊ ዘሎ ምቁር ዝኽሪ” በሉኒ። መምህር ዓይኒ ዓይነይ እናጠመቱን ነታ ብዓል ስእሊ እናጠቐሱ፣ ብዕላሎም ደሪቐ ስለ ዝነበርኩ። ከም ንቑጽ ስእሊ ዶኾን ጠሚቶሙኒ ይኾኑ? ንውሽጠይ ሓቲተ፣ ተሰኪፈ፣ ምስ ሰብ ከለኻ ምስጋል ንረኣዩ ኣውራ ኸኣ ንኣዕላሊ ጽቡቕ ክስምዖ ኣይክእልን፣ ካልእ ትርጉም’ውን ዘይህብ ኣይኮነን፣ ካብ ኣዝንኻ ንዕላል። ቀልብኻ ግን ብካልእ ሓሳብ ምግላል። ጠቕሊልካ ምርሓቕ ይምረጽ፣ ዝዛረብ ሰብ ትኲር ሰማዒ ኢዩ ዝደልይ፣ ኣረብረብትን ደገምትን ዕላል ዘየሰልኪዪ ኣይኮኑን፣ ግን ካብ ትሰምዖም ዘለኻ እናምሰልካ ዘይምስምዖም። ኣፎም ከይከፈቱ ምኹላፎም ይምረጽ። ዋላ ንዕኦም፣ ናይ መምህር መረዳእታን ድሌትን ኢዩ፣ እዚ ከኣ ኢዩ ኣሰኪፉኒ፣ እቲ ሕቶ ሰው ኣቢሎም ኣብ ካልእ ሓሳብ ምቕጻሎም’ውን ዝገደደ ኢዩ ኣሰንቢዱኒ፣ ከይተርድኣኒ ብድድ ኢሎም ተስኡ፣ ዘይብዙሕ እዋን ዘዘውትርዎ ልምዲ ኢዩ፣ ግን ኣብ ግናዕ ኢዶም ዝተጨበጠት ወረቐት ሒዞም ኢዮም ተመሊሶም፣ እታ ካብ ልዕሊ መተርኣሶም

ዘምጹኡዋ ሓንቲ ናይ ጻዕዳን ጸሊምን ደረቕ ስእሊ ወረቐት ኢያ፣ ንዓይን ነታ ስእልን ከኣ ደጋጊሞም ጠመቱና፣ ርእዮም ከይጸገቡ ኢዮም ኣቐቢሎሙኒ፣ ናይ ቑልዕነት ደረቕ

ስእሊ ኢያ፣ ኣብታ ስእሊ ኣርባዕተ ቈልዑ። ዝተፈላለየ ኣቃውማ። ኣለባብሳ። ኣመሻሽጣ። ኣጠማምታን ቁመትን..ርኣኹ፣ መሰለት ክፈልይ ኣይክኣልኩን፣ ብዘይካ ኣብ ኣዒንቶም ዘብረቕርቕ ክቱር ህንጡይነት። ካልእ ዘመሳስሎም ነገር ኣይረኽብኩሎምን፣ “እዛ ስእሊ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን

ዕድመ ኣለዋ፣ መን እንታይ እመስል ነይሩ? ወይ እገለ ከምዚ ይኽደን…” ንኽትብል ኢዩ ዝሕግዝ። ደረቕ ስእሊ፣ ኪንዮ እዚ ዝኸይድ ትንታነ ክህብ ኣይክእልን፣ “እዞም ኣብዛ ስእሊ ትርእዮም

ዘለኻ ቈልዑ ሱሳታት ኢዮም፣ ደቂ ሹዱሽተ ዓመት ከለዉ ዝተሳእልዎ ኢዩ፣ ኣዕሩኽ ኢዮም፣ ኣቦይ’ዩ ንመዘከርታ ኣስኢልዎም፣ ሃንደበት ኢዩ ነቲ ሓሳብ ኣምጺኡዎ፣ እቲ ናትካ እንታይ ኢዩ መንቅልኡን ትንታኒኡን” ደረቡለይ ሕቶ፣ “እቲ ብስእሊ ዝነብር። ብሕሉፍ

መጋርያ ዝመዉቕ ኢዩ፣ ሰብ ዝኣጎዶን ሰብ ዝሰሓኖን ከም ናቱ ገይሩ ዝነብሮ ኢዩ፣ እዚ ሰብ እዚ። ናይ ዕዉታት ሰባት ስም ምጥቃስን ብስሞም ምንባርን ባህታ ዝፈጥረሉ ሰብ ኢዩ፣ ብስእሊ ካልኦት ከኣ ይነብር፣ ስእሉ ዛንታኡ። ናይ ህይወት ድምር ትሕዝቶኡ ኮይኑ’ዎ ኣብ ስእሊ ምንባር ኢያ፣” ስሓቖም ንዘረባይ ስለ ዝኾለፎ። ብምጥርጣር ዘረባይ ኮለፍኩ፣ ርእሶም ላዕሊ ታሕቲ እንተዘየብልዎ። ኣምበይምቐጸልኩን፣ “ድሓን ዝፈልጦ ሰብ ኢየ ዘኪረ” በሉኒ ቀጽል ብዘስምዕ ቃና፣“ እዚ ኻልኣይ እኳ ምናልባት

ተዛራቢ ውሑድ ቃላት ድኣ ኢዩ እምበር። ወካሊ ናይ ብዙሓት ሰባት ኢዩ ዝመስል፣ በላዒ ዕድል ካልኦት ኣይኮነን፣ ግን። ኣብ ስራሕ ምስታፉ ንዕቤቱ ጥራይ ኢዩ ዝርእይ፣ እታ ዝኣጉዳ ሓዊ ንበይኑ እተምድቕ።

ብብርሃን። ንበይኑ እተምዉቕ ሃልሃልታ ኢያ፣ እዚ ሰብ እዚ። ነብሰ ኣማእካሊ ኢዩ፣ ጌረ እምበር ጌርና ዝብል ቃል- ቃና ዘይወጽኦ ሰብ ኢዩ፣” ካብ ዝቐደመ ዝገደደ ክሳብ ዝትኮሱ ሰሓቑ “ጽቡቕ ይእከላካ ድሓን ” በሉኒ፣ ናይ ሳልሳይ ርዱእ ብዝብል መልእኽቲ፣ “እዞም ኣብዛ ስእሊ ዝረኣኻዮም።

በብመገዶም ነዛ ዓለም ይነብሩዋ ኣለዉ፣ ምንባር ኣብ ልክዕ ትርጉም ዘብጽሕ ጫፍ መግለጺ ድኣ ኣይሃልዎ እምበር። ምስ ግዜን ኣብ ግዜን ምቕጻል ዝቐረበ መግለጺ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ሓንቲ ከተስተብህለሉ ዘለካ ግን። ዛንታ ሰባት ይመሳሰል ኢዩ፣ ሓደ ሰብ ነዚ ዝጠቕሰካዮ ሱሉስ ተመኩሮ ክሰግሮ ይኽእል ኢዩ፣ ጥንታዊ ድራማታት ግሪኽ ሰለስተ መሳልል ነዚ ኸምዚ ናትካ ዛንታ ኢዩ ዝሓቊፍ ነይሩ፣ ክትጽንብሮ ትኽእል ነይርካ። ኣብ ሓደ ምምእካል ካብ ፋሕ ዝበለ ዝተኣከበ ዝያዳ ሓይሊ ሰለ ዘለዎ። ክትጽንብሮ ይምረጽ፣ ኣብ ክንዲ ንሓድሕዶም ዝራጸሙ ከኣ። ምስ ገዛእ ርእሶምን መገዶምን እንተዝቃለሱ ምዓመቘ፣ እዚ ኮይኑ እቲ። ምጽንባር ምድብላቕ ማለት ኣይኮነን፣” ትርር ኢሎም ጠመቱኒ፣ “ሳሕቲ ነቲ ንነዊሕ እዋን

ደጋጊምካ ዜንበብካዮ ጽሑፋት ተመሊስካ ኪትደግሞ ከለኻ። ፍጹም ባህታን ሓድሽ ምርምራት ዚመርሕ ሓሳባት ኢኻ ትረኽበሉ፣ ምድግጋም ከኣ ኬተስማቕር ይሕገዛካ ኢዩ፣ ነቲ ካብ ሓሳባትካ ዜይወጽእ ትርጉምን መግለጺታትን ከኣ። ኣብ ትርኣስካ ወይ ኣብ መዳቑሶኻ ኬተንብሮ ትመርጽ እሞ። ክትድቅስን ክትትስእን ክትጸንብሮ ትፍትን፣ እቲ ኣብ ሓሳባትካ ህይወት ዘለዎን ብዙሕ ትርጉምን ዝርከቦ ሓሳባት ቀመም ህይወት ኢዩ፣ ግን ብግቡእ ጸንብሮ ድኣ እምበር ብዝመጻልካ ኣይትደባልቆ” በሉኒ፣

***

Page 5: Haddas Eritrea - June 19, 2009

5ሓዳስ ኤርትራ 19 ሰነ 2009

ሰብ ነዛ ሓንትን ዘይትትካእን ሂወቱ። ባህግታቱን ዊንታታቱን እናማልአ ክትቅጽል። ሕልምታቱ እናተግበረ ክትፍሳህ። ውጥናቱ እናፈጸመ ናብቲ መወዳእታ ምዕራፍ ክትበጽሕ’ዩ ዝደሊ፣ ንሰብ ልዕሊ ሂወቱ። ልዕሊ’ዛ ሩሑ

ዝኸበረ። ልዕሊ ቀጻልነቱ ዘገድሰ። ልዕሊ ህላዌኡ ዝዓዘዘ ነገር የለን፣ ኣብ ኤርትራ። ኣብዛ ሃገር ዘይነጽፍ

ዋሕዚ ታሪኽ። ኣብ ሃገር ተኣምራታት ኣብዛ ሃገር ዘይጽንቀቕ ጽንዓትን እምነትን ግን ልዕሊ ሂወት ሃገር ትኽበር፣ ልዕሊ ቀጻልነት ትንፋስ። ቀጻልነት ክብረት ይዓዝዝ። ልዕሊ ህላዌ ነብሲ ህላዌ ኤርትራ ይቕድም፣ ብዓቢኡ ንኡሱ። በቲ በጽሒ በታ ጎርዞ። በቲ ህጻን በቲ ሽማግለ። ኮታ ብኹሉ ኤርትራዊ፣ እዚ ምስጢር’ዚ እዚ ወኒ’ዚ። እዚ ዓብን ረዚንን ኤርትራዊ ህያብ’ዚ’ዩ ሃገር ፈጢሩ፣ ኤርትራ ሰሪሑ። ንኤርትራ ብሓበን ኣቐጺሉ፣ ክሳዳ ኣቕኒዓ። ኣፍልባ ነፊሓ የማነ ጸጋም ቀልባዕባዕ ከይበለት ብዝመረጸቶ መስመር እትምርሽ። ብጎደና ሓቅን ቅንዕናን እትስጉም ክብርቲ ኳዕናን ሃገር ህያው ጌሩ፣ ንኤርትራዊ ሃገር’ያ መዝሙሩ።

ንሳ’ያ እምነቱ። ኣብኡ’ዩ ስግደቱ፣ ምትንታት ልቡ ነዛ ሃገር ዘቕውም ንዓኣ ዘጠጥዕን ዘመንጉዳን ደምዩ ዝጭንጉዕ፣ ህዋሳቱ ኣባያ ከይርከብ’ዩ ዝጸናቶ፣ ኩሉ ነገሩ ንዓኣ’ዩ ካብኣ ዘበቆ የለን። ምእንታኣ ዘይልግስ ኣበደን ፍጹም ኣይርከብን፣ የለን፣ ስለዚ’ዩ ንሳ ንኽትህሉ ህላዌኡ

ዘይመርጽ። ስለዚ’ዩ ክብርቲ ሂወቱ ዝምጡ። ዘይትትካእ ሩሑ ሞባእ ሃገር ክትከውን ንመስዋእቲ ዝቀዳደም፣ እዞም ሎሚ ብረዚን መንፈስን ምልኣት ልብን ብዓቢ ክብሪ እንዝክሮም ሰማእታታትና እንበኣር መቖምያ’ዛ ብሓበን እንነብራ ዘለና ሃገር እዮም፣ ኣዕኑድ ናይዚ እግርና መሊኣና እንረግጾ ዘለና መሬት እዮም፣በጃን ዋሕስን ናይዛ ብትንፋሶም እናተንፈሰት ትርጉም ምንባር ተስተማቕር ዘላ ሂወትና እዮም፣ ሰማእታታትና ንመስዋእቲ ከም

ዕለተ ኣበብኦም። ከም ዕለተ ምረቕኦም ብሓጎስን ብወንን። ክቕበሉን ክቀዳደሙን እንከለዉ። ብድሕሪኦም ስኽፍክፍ ዝብል ነገር ኣይነበሮምን፣ ልቦም ቅሱን። መንፈሶም ርጉእ’ዩ ኔሩ፣ እቲ ምንታይ መተካእታ ሂወቶም ሃገር ስለ እትህሉ። ብዓጽመደሞም ከም እተጉላዕልዕ ብኽቡር መስዋእቶም ከቢራ ከም እትነብር ዘይንቕነቕ ክምህ ዘይብል እምነት ስለዝነበሮም። ህላወን ኩዕናነን እዛ ሃገር እዚኣ እንበኣር ህላወን ኩዕናነን ሰማእታት’ዩ፣ ሰማእታትና ወትሩ ህልዋት እዮም፣ ኣብዚ እነስተንፍሶ ኣየር ይዝንብዩ፣ ኣብ እንዝምሮ መዝሙር ይዝምሩ፣ ንእነሰላስሎ

ሓሳብን ንእንተግብሮ ስራሕን ይዕዘቡን ይፍትሹን፣ ሕድሮምን ለበዋኦምን

በቲ ንጹህ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንፈስ እከታተሉ፣ ሕድሮም ብኹልንትናኣ ክምህ

ዘይትብል ብገዛእ ርእሳ እትተኣማመን ድልድልትን ሕብንትን ኤርትራ ክወንቲ ምግባር’ዩ፣ ለበወኦም ነዛ መዘና ኣልቦ ክቡር ሂወት ዝተኸፍለላ ሃገር ምብልጻግን ብጎደና ምዕባለ ምሕንባብን’ዩ፣ ለበወኦም ካብ ኩሉ ትሕተ ሃገራዊ

ኣረኣእያታትን እምነታትን ናጻ ዝኾነ። ሃሙን ቀልቡን ብኤርትራ ዝሓስብ። ልሳኑ ኤርትራ ዘድምጽ። ጉልበቱ ንህንጻታ ዝዓዪ ካብ ውልቃዊ ራኢታት ራኢ ሃገርን ህዝብን ዘቐድም ዜጋ ምዃን’ዩ፣ ሰማእታታትና ኤርትራ’ያ ቤቶም።

ሕድሪ ሰማእታት ምትግባር ምህናጽ ሃገር’ዩ

እቲ መልእኽቲ ሓደን ንጹርን’ዩ።። ዓወት ንሓፋሽ።። ቃልሲ ሓፋሽ ብሓፋሽ ተበጊሱ። ብሓፋሽ ተሰላሲሉ። ብሓፋሽ ተዛዚሙ።። ራኢይ ተቃላሳይ ሓንቲ ብልጽግትን ስልጥንትን ኤርትራ ውሑስ ምግባር’ዩ።።

እወ! ኤርትራ እታ ብደም ጀጋኑ ደቃ ናጽነታ ዝጨበጠት። ኤርትራ እታ ንነፍሲ ወከፍ ስድሪ መሬት ብዝኸፈለቶ ክቡር ዋጋ ራህዋ። ፍትሒን ሰላምን ዘረጋገጸት። ኤርትራ! እታ ኣብ ትሕቲ ዓወት ንሓፋሽ ብምልኦም ደቃ

ኣሰሊፋ ኣንጻር ርእሰ ሓያላን ንልዕሊ 30 ዓመታት ዕዉት ቃልሲ ዘካየደት። መሬት ጀጋኑ ሕጂ’ውን ሰረት እምነታ ዓወት ንሓፋሽ’ዩ።።

ካብ’ቲ ዝዓበየ ክሳብ’ቲ ዝነኣሰ ካብ’ቲ ዝቐረበ ክሳብ’ቲ ዝረሓቐኣብ ሰላምን ኲናትንኣብ ምንባርን በጃ ምሕላፍን ኣብ’ቲ ዝድህሰስን ኣዝዩ ዝረቐቐንእቲ ኤርትራዊ መላግቦ ዓወት

ንሓፋሽ’ዩ።።

ኤርትራ’ያ መቕደሶም። ኤርትራ’ያ እምነቶም። ኣእዳዉ ሰማእታትና

ብኸምታ ንኣባየን ከባርራ እንከለዋ ዝነበርኦ ኣብ ቃታ እየን ዘለዋ፣ ልሳኖም ዓወት ንሓፋሽ እየን ዘድምጻ ዘለዋ። እቲ ድምጺ ኣየቋረጸን፣ መንፈሶም ብኤርትራዊ ሃገራዊ

ፍቕሪ’ዩ ዝበርህ ዘሎ፣ እቲ ብርሃን ድሙቕ’ዩ እቲ ኒሕ መላእ’ዩ፣ እተን ብተመልከተለይ ኣባየን ዝመንከላ ኣዒንቲ ትኩርነቱን ኣየጉደላን፣ እጥምታ ኣለዋ፣ እተን ጣሕሻም ጸላኢ ዘየስሉኻ ኣእዛኖም የድምጻ ኣለዋ፣ ኩሉ ነገሮም መላእ’ዩ ሰማእታታትና፣ ንሕና እዞም ኣብቲ ክነብርዎ ዝግባእ

እንነብር ሰባት መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና። ገጽና ኣዕቲብና መንፈስና ኣርጊእና። ለበዋኦም ንምትግባር ክንወፍር እንከለና ዕግበቶም ደረት ኣልቦ’ዩ፣

ሕድሮም ንምፍጻም ክንዓዪ እንከለና ሓይሊ ተፈጥሮ ስለዝኸብድ እንበር ተመሊሶም ካልአይ ግዜ ክስውኡ ኣይጸልኡን፣ ካብቲ ዝኣምንሉን ሂወቶም ዝመጠውሉን ቅኑዕ መስመር ኣለጊስና ወለቕ ዘለቕ ክንብል ዝተሰውእሉ ዕላማ

ኣየፍቅድን’ዩ፣ ስለዚ ባህጎም ሕልሞም ራኢኦም

ክብራ ዝሓለወት ልኡላውነታ ዝዓቀበት ሰላም ዝሰፈና ምዕብልቲ ኤርትራ ምህናጽ’ዩ፣ ሕድሮም ምትግባር ማለት ከኣ ኤርትራ ቀዳምነት ንእትህቦ ነገር ቀዳምነት ምሃብ’ዩ፣ መደባታ ወጥናታ ንምትግባር ምስራሕ’ዩ፣ ኣብቲ ሓዲድ ህንጸት ምምራሽ’ዩ ምእንተኣ ኩሉ ነገር ምኽፋል’ዩ፣

ደበሳይ ወልዱ

ዓወት ንሓፋሽሰረት ኤርትራን ኤርትራውነትን።

ክብርን ምስጢርን ዓወት ንሓፋሽ’ዩ።። ክብርን ምስጢርን ዓወት ንሓፋሽ ድማ ካብ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝብገስ። ካብ ንዓይ ንህዝበይ። ኣብ ዓጽመ ደመይ ህላወ ሃገረይ ምቕዳም’ዩ።።

ክብርን ምስጢርን ዓወት ንሓፋሽ ኣብ ውሽጢ ጸልማት ንዘሎ ብርሃን ኣማዕዲኻ። ከም ሽምዓ ብርሃን እናለገስካ ምእንቲ ፍትዋት ደቂ ሃገርን ፍትውቲ ሃገርን ንእትገብሮ ጉዕዞ ብጸጋ ምቕባል ማለት’ዩ።። ህዝቢ ኤርትራ ዓወት

ንሓፋሽ ኢሉ ክመርሕ ከሎ። ብዘይካ’ቲ ኣብ ማዕሙቕ ልቡ ዝሰረተ ፍቕሪ ኤርትራ። ብዘይካ’ቲ ንኽትኮነሉ ዝብህጎ ንኽጭብጦ ዝህንጠዮ ብልጽግትን ስልጥንትን ኤርትራ። ብውልቁ ዝምነዮ ዋላ’ታ ዝኸበረት ሂወቱ’ውን ትኹን ቦታ የብላን።። ኣብ’ዚ’ዩ እቲ ርዝነት። ኣብ ሕድሪ’ዩ እቲ ምስጢር። ኣብ እምነት’ዩ እቲ ቀጻሊ ቀለቤት ኤርትራውነት።። ዓወት ንሓፋሽ እቲ መላግቦ ሰንሰለት፣

ኣቤል ግርማይ

ዝክረ-ሰማእቲኣብ’ተን ሒደት…

ናይ ዝኽርካ ደቓይቕሚዛን ዘንቲእለት...

ናይ ኽብርኻ ኣዋርቕጥርዚ ካብ ደወላት

‘’ዝኽሪ ሰማእቲ ዝብላ’’ነጋወስ ናይ ቃላት

ልሳን ምስ ኣድመጸንልቢ’ያ ትመጸን።።

ድምጺ’ዛ ዓለም። ምስ ጠፍኣ ህጣሙኣካል ምስ ደረቐ። ኣብ ዝኽርኻ ቆይሙ

ቁልቁል ዝተደፈአ….ርእስይ ኣብ ምድናኑ

ኣካልን መንፈስንይፍለ በበይኑ።።

ሽዑ ይቕጀለኒ...ዘለኻዮ ሕልፈት

ደመይ ዝሕዉ…ይብል…..ማዕጾ ልበይ ይኽፈት

ዉዕሎኻ ከናዲ። ኣሰርካ ይፍትሽከም ማርሞ ደረቕ ናብ ዕምቆትካ ይገይሽ

ኣብ ርእስይ የለዉንቆብዕን ጉልባብንእንትርፎ ንሳኻ

ብግብርን ሓሳብንካልእ ምስሊ የለን

ኣብ ዓይንን ኣብ ልብን።።ድሎ ብድሎ ምስ ትዝታኻ ይቃለስምሳኻ ጸኒሐ። ናብ ደቅኻ ይምለስ

ኣብ ማዕበል ዝኽርኻ……ደጋጊመ ይእለኽ

ናብራኻ ኣንቢባ ከኣ….ናብ ስድራኻ ይህወኸ

ማዕበል ሓሳባተይ ዝገላብጥ ሓሞት‘ታይ’ሞ ዘይቅጀለኒ ኣብ’ታ ረዛነ ህሞት!!ክብድብድ ይብለኒ። መንፈሰይ ይጽዓን‘’ጓሳ ለበዋኻ። ናይ መብጽዓይ ጥርዓን’’ቅድሚ’ቲ ጽንብል’ወ ድሕሪ’ቲ ኣኼባናይ መብጽዓይ ኣኽናፍ ኣብ ሕድርኻ ይዓልባ

ትርግታ ልበይ ካኣ…..በድራጋ ይሃርምሕድርካ ከጽንዕ። ብመንፈስ ይፍርም

…ሽዑ…ድምጽኻ ምስ ሰማዕኩ ብመንፊት ልቢ

ሞራለይ ይልዕል። ፍናነይ ይዓቢኣኽናፍ ዓወት ካኣ…..ኣብ ዉሽጠይ ይዝንቢ

ሓድጊ ጅግና። ዉርሻ ወለዶቁጽሪ መስዋእትኻ። ዘረብጽ ክትከዶዕድመ ዘንትእለት’ዩ ዘይሞኖ ርስቲክፍገም’የ ገና። ኣብ ዝኽረ ሰማእቲ!!

ግርማይ ኣስፍሃ(ዓንቂ)

Page 6: Haddas Eritrea - June 19, 2009

6ሓዳስ ኤርትራ 19 ሰነ 2009

ኣዳለውቲ ምልክታ - ሄለን ዮናስ - ልዋም ተስፋሂወት

ምልክታታት ቤት ፍርዲ

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ኣስመራ ዝረኣዩ ጉዳያት

ወ/ሮ ኣብርሃጽዩን መንግስቱ ገብረ። ጓለይ ናዝሬት የማነ ርእሶም ስለዝሞተት። ኣነ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን09/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ ሲቪል መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ሳልም ዑመር ባሻማኽን ተኸሳሲት ወ/ሮ ኣዜብ ዮሴፍ +9ን። ዘሎ ናይ ዋንነት ስም ምትሕልላፍ ክርክር ጉዳይ። ተኸሰስቲ ሰናይት ኣሰፋው። ሸዊት ኣሰፋው። ኣማን ኣሰፋው። ኣዜብ ኣሰፋው። ቢንያም ኣሰፋው። ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪልኹም ኣብ 1ይ ቤ/ፍ ኣብ 10ይ መጋባእያ ን13/07/09 ክትቀርቡ፣ እንተዘይቀሪብኩም ጉዳይኹም ቤ/ፍ ንስኹም ኣብዘየለኽምሉ ተራእዩ ክውሰን ምዃኑ ነፍልጥ፣

መምህር በረኸት የውሃንስ ወልደሃዋርያት። ሓውና ሚኪኤል የውሃንስ ወልደሃዋርያት ስለዝተሰውአ። ወረስቲ ኣነ ምስ ሰለስተ ኣሕዋተይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን15/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣቶ ጸጋይ ገብረመስቀል መብራህቱን ወ/ሮ ኣስካሉ ደባስ መድሕንን። ወኪል ኣመተጽዮን ገብረመስቀል። ስም ስውእቲ ጓልና ተጋ/ኣመተ ገብረሚካኤል ምባል ተሪፉ። ኣመተ ጸጋይ ገብረመስቀል ተባሂሉ ይተኣረመልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን14/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባእያ ሰዓት 8።00 ቅ/ቀትሪ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ንዕማ መሓመድጣሃ ኣድም ምባል ተሪፉ። ንዕማ መሓመድብርሃን ኣድም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን14/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባእያ ሰዓት 8።00 ቅ/ቀትሪ ይቕረብ፣

ኣቶ ኢያሱ ተስፋሁነይ ኣብርሃ። ሓፍትና ወ/ሮ ተበርህ ተስፋሁነይ ኣብርሃ ስለዝተሰወአት፤ ወረስቲ ኣነ ምስ ሓሙሽተ ኣሕዋተይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኪዳነ ዳኒኤል መረስዕ ምባል ተሪፉ። ኪዳነ ዓንደሚካኤል ሃይለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባእያ ቁ.32 ሰዓት 8።30 ቅ/ቀትሪ ይቕረብ፣

ወ/ሮ እሙና ተኪኤ ይከተም። በዓል ቤተይ ኣቶ ሽሻይ ተካ ቡላ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሰለስተ ደቁ ድማ ወረስቱ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን09/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ ሲቪል መጋባእያ ይቕረብ፣

ትሕቲ ዕድመ ናሆም ገዛኢ ገብረትንሳኤ። ሞግዚት ሰናይት ፍስሓጽዮን ኣፈወርቂ። ኣቦይ ኣቶ ገዛኢ ገብረትንሳኤ ንጉሰ

ስለዝተሰውአ። ወራሲ ኣነ ጥራይ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ። ዝቃወም እንተሎ። ን13/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

በሪኽ ወ/ሮ ርግበሰለሙን

ተስፋሚካኤል ገብረእግዚኣብሄር። በዓል ቤተይ ኣቶ ኣኸዛ ስዩም መሓሪ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሸውዓተ ደቁ ወረስቱ ምዃኖም ክረጋገጸሎም። ናይ ትሕቲ ዕድመ ደቅና ድማ ናይ ሞግዚትነት ስልጣን ይወሃበኒ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ኣበባ ሃብቱ ሰለሙን ምባል ተሪፉ። ኣበባ ሃብቶም ሰለሙን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ይቕረብ፣

ሰረጀቓ ኣቶ ኢሳቕ ዘርኤ ገብረኣምላኽ።

ሰበይቲ ሓወቦይ ወ/ሮ ሽዕበት ገድላን ሓወቦይ ቀሺ ፋንታዮ ቀሺ ገ/ኣምላኽን ስለዝሞቱ። ወረስቶም ኣነ ምስ ሰለስተ ደቂ ሓወቦይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን16/07/09 ኣብ ቤ/ፍ/ዞ/ማ- ሰረጀቓ ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ደቀምሓረ ዝረኣዩ ጉዳያት

ሰንበቱ ናይዝጊ ገብረዝጊ። ኣቦና ኣቶ ናይዝጊ ገብረዝጊ ስለዝሞተ፤ ወረስቲ ኣነ ምስ ሽዱሽተ ኣሕዋተይ ምዃንና ይረጋገጸለይ ስለዝበለት፤ ዝቃወም እንተሎ። ን15/07/09 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ጽገ በያን ኣጽባሃ። በዓል ቤተይ ኣቶ ሽማንጉስ ሓየሎም ሃየለስላሴ ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ክልተ ደቁ ድማ ወረስቱ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን15/07/09 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ሓጎሳ ነጋሽ ኣርኣያ። በዓል ቤተይ ኣቶ ተኽለ መጎስ ደሞዝ ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ኣርባዕተ ደቁ ድማ ወረስቱ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን15/07/09 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ለምለም ካሕሳይ ሞሳዝጊ። በዓል ቤተይ ኣቶ ሰለሙን ካሕሳይ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓሙሽተ ደቁ ድማ ወረስቱ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን15/07/09 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ብርኽቲ ኣንገሶም ገብረህወት። በዓል ቤተይ ኣቶ ዑቕባዝጊ ነጋሽ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓደ ወድይ ድማ ወራሲ ምዃኑ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ይቕረብ፣

ሙሉጌታ ጥዑምዝጊ ስብሃትልኣብ። ወለድና ኣቶ ጥዑምዝጊ ሰብሃትልኣብን ወ/ሮ

ፍዮሪ ሃብተን ስለዝሞቱ፤ ወረስቲ ኣነ ምስ ሓሙሽተ ኣሕዋተይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ይቕረብ፣

ሳሙኤል ሃይለ መሓሪ ምባል ተሪፉ። ሳሙኤል ሃይለስላሴ መሓሪ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን23/06/09 ቁ/5 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ኣብርሀት በረቕ ሃይለሚካኤ። በዓል ቤተይ ኣቶ ሓደገ ዘርአ ኣባይ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሽዱሽተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ኣብ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣብ ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ

ደቀምሓረ ዝረኣዩ ጉዳያት

ከሳሲት ወ/ሮ ትንሳኤ ሓጎስ። ወኪል ወ/ሮ ንጽህቲ ሓጎስ። ተኸሳሲት ወ/ሮ ገነት ሓጎስ። ወኪል ም/ተ ሃብተገብርኤል ተስፋይ። ብመጸዋዕታ ክቀርባ ስለዘይከኣላ፤ ብጋዜጣ ተጸዊዐን ን25/06/09 ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪልክን ቕረባ፣ እንተዘይቀሪብክን ቤ/ፍ ኣድላይ ውሳኔ ክህበሉ ምዃኑ ነፍልጥ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ድባርዋ ዝረኣዩ

ጉዳያትኣቶ ሓድሽ ፍስሃጼን ተስፈ። በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ለተብርሃነ እስቲፋኖስ ወልደገብርኤል ስለዝሞተት። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሰለስተ ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፤ ዝቃወም

CAUTIONARY NOTICE IN ERITREA

ROSESNOTICE IS HEREBY GIVEN THAT the above trade mark is the property of Cadbury UK Limited, a company incorporated under the laws of the United Kingdom of P O Box 12, Bournville Lane, Bournville, Birmingham B30 2LU, United Kingdom (the Owner), and is used on or in connection with:- Dairy products; milk and milk products; milk based beverages including fl avoured milk drinks; milk shakes; beverages predominantly made from milk substitutes; yoghurt and yoghurt based beverages; mousse, fromage frais; desserts; cocoa, cocoa products, drinking chocolate; beverages made from or containing chocolate; beverages made from or containing cocoa; preparations for making chocolate or cocoa based drinks; malted food drinks, preparations for making malted beverages; chocolate, chocolates, non-medicated confectionery; chewing gum; preparations for making cereals, cereal bars, energy bars; biscuits, wafers, cakes, pastries; snack foods; ice cream and ice cream products; chilled and frozen confections; catering services for the provision of food and drink; restaurant, cafe, cafeteria, food bar and snack bar services.The company, Cadbury Limited, has changed its name to Cadbury UK Limited.The Owner has the right to use the said trade mark in all colours and sizes and styles of type.NOTICE IS ALSO HEREBY GIVEN that legal proceedings will be taken against any person or company, who uses the above trade mark or any imitation thereof or who otherwise infringes the rights of the Owner, to enforce civil and criminal liabilities under the laws of the State of Eritrea.Cadbury UK LimitedContact person: Kebreab Habte Michael Warsai Street, Saba Bld. 7th Floor Tel. 181259

እንተሎ። ን02/07/09 ይቕረብ፣ገነት ተክለኣብ ተሰማ ምባል ተሪፉ። ገነት ተስፋይ ሃንስ ተባሂሉ ክእረመለይ። ስም ኣደይ ድማ ወ/ሮ ኣመተ ንጉሰ ክፍሉ ምባል ተሪፉ። ኣለም ተክለኣብ ተሰማ ተባሂሉ ይተኣረመልና ስለዝበለት፤ ዝቃወም እንተሎ። ን01/07/09 ይቕረብ፣

ገብራይ ዮውሃንስ ገብረማርያም። ወለድና ወ/ሮ ለተሚካኤል ዑንቋይ ተወልደመድህንን ቀሺ ዮውሃንስ ገብረማርያም ገብራይን ስለዝሞቱ። ኣነ ምስ ሓሙሽተ ህልዋት ኣሕዋተይን ደቂ ነፍ/ዳኒኤል ዮውሃንስ 7+ ንኣቦኦም ተኪኦም ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን01/07/09 ይቕረብ፣

ወ/ሮ እሙና ገብረዝጋኣብሄር ተወልደብርሃን። በዓል ቤተይ ኣቶ የማነ በርሀ ዑቕባጼን ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሸውዓተ ደቅና ድማ ወረስቱ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን02/07/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ሰንዓፈ ዝረኣዩ

ጉዳያትኣብራሃጼን ተኪኤ መዓሾ። ስም ኣደይ ወ/ሮ ለታይ በየነ ምባል ተሪፉ። ሐጉሽ ካሕሳይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፤ ዝቃወም እንተሎ። ን01/07/09 ይቕረብ፣

ኣማን ኪዳነ ኣስፍሃ። ስም ኣቦይ ኣቶ ኪዳነ ኣስፍሃ ምባል ተሪፉ። መሓመድ ሞሳ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን01/07/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ዓዲ-ዃላ

ዝረኣዩ ጉዳያትኣቶ ብርሃነ ሞጎስ ወልደገብሪኤል። ኣዴና ወ/ሮ ኣብረሀት መኮነን ገብሩ ስለዝሞተት። ወረስቲ ኣነ ምስ ሸሞንተ ኣሕዋተይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን15/07/09 ኣብ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ሸሪዓ ዝረኣዩ ጉዳያት

ወ/ሮ ጥልት መሓመድ ሳልም። በዓል ቤተይ ኣቶ ዑመር ጥሉል ሙሳ ስለዝሞተ። ወረስቲ ኣነ ምስ ሓሙሽተ ደቀይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን16/07/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ማይምነ ዝረኣዩ

ጉዳያትወ/ሮ ነገሰት ዛይድ ሽመንዲ። በዓል ቤተይ ኣቶ ጉዕሽ ጎይትኦም በርሀ ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓደ ወዱ ድማ ናይ ኣቡኡ ወራሲ ምዃኑ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን13/07/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ዓንሰባ ከረን ዝረኣዩ

ጉዳያት ከሳሲት ወ/ሮ ዑቕቢት ኣፍወርቂ በራኺ። ወኪል ኣቶ ኢሳያስ ተስፋኣለም። ተኸሳሲ ኣቶ ዘካርያስ ኣፍወርቂ በራኺ። ዘሎ ናይ ገንዘብ ክሲ ጉዳይ። ተኸሳሲ ኣድራሽኦም ንጹር ስለዘይኮነ። ብጋዜጣ ተጸዊዖም ን07/07/09 ብኣካል ወይ ብወኪሎም ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪብኹ ጉዳይኹም ቤ/ፍ ኣብዘየለኽምሉ ውሳኔ ክህበሉ ምዃኑ የፍልጥ፣

ምልክታ ጨረታሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ ብሓደጋ ጉድኣት ዘጋጠመን መካይን

*ተዓርየን ከገልግላ ዝኽእላን መቃያየሪ ጥራሕ ዘገልግላን። ንኣሽቱን ዓበይትን መካይን። ከምኡ’ውን ሞተር ሳይክል ቨስፓ ብዕጹው ጨረታ ስለዝሸይጥ ንጉዱሳት ይዕድም፣

ንመሸጣ ዝቐርብ ንብረት ኣብ ሰዓታት ስራሕ ኣብ መርሓኖ ዝርከብ ጋራጅና ምርኣይ ይከኣል፣ ጨረታ ቀዳም 27 ሰነ 2009 ሰዓት 9።00 ቅ.ቀትሪ ተጫረትቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መርሓኖ ዝርከብ

ጋራጅ ስለዝኽፈት። ክትሳተፉ ትደልዩ ኣቐዲምኩም ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ሰዓታት ስራሕ መጺእኩም ቅጥዕታት ከተማልኡ ነተሓሳስብ፣

ተጫረትቲ ሃገራዊ ኣገልጉሎት ዘይምልከቶም ክኾኑ ኣለዎም፣ትካልና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ። ጨረታ ብኸፊል ወይ ብምልኡ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ

ኢዩ፣ሃገራዊ ኮርፖረሽን ኤርትራ

Page 7: Haddas Eritrea - June 19, 2009

7ሓዳስ ኤርትራ 19 ሰነ 2009

“ልዕሊ ሰማእታት ንሕልናና ዝገዝእ ሓይሊ የለን”

ዝኽሪ መራኸቢ’ዩ፣ ዝኽሪ ሰማእታት። መንፈስና ኣበራቢሩ። ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ። ብደም ዝለምዓትን ብኣዕጽምቲ ዝቐንዐትን ፈልሲ ሉል ዝዓንበበትሉ ሸኻና የርእየና፣ ብቃና ፍቕሪ። ብሕሽኽታ። ምስ መንፈስ ሰማእቲ ከነውግዕን መብጽዓና ኣሐዲስና ለበዋን ሕድርን ክንቅበል ዘኽእለና መንፈሳዊ ጉዕዞ’ዩ፣

ዝኽሪ ኣብ ዘለኻዮ ኴንካ። ብሕልናን መንፈስን ናብ ኩሉ ክትበጽሓሉ እትኽእል’ኳ እንተኾነ። ኣብ’ቲ ጅግንነት ዝተፈጸመሉ ቦታ ኬድካ ምስ ሰማእቲ ምውዓል ግና። ዝያዳ ስእልን ቅርበትን ይፈጥረልካ፣

ዝሓለፈ ሰንበት 14 ሰነ 2009። መንእሰያት ዞባ ማእከል። ናብ’ቲ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ታሪኽ ጅግንነትን መስዋእትን ዝሰነደ። ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብምብጻሕ ናይ ሎሚ ርብዒ ዘበን ንዝነበረ ውዕሎ መስተንክራዊ ስርሒት ኮማንዶ በጺሖም። ነቲ ኣብ’ቲ ፍጻመ በጃ ሃገርን ህዝብን ንዝሓለፈ ስዉእ መብራህቱ ገብረህይወትን

ንኹሎም ኤርትራውያን ሰማእትን ዘኪሮም፣

ዕላማ ናይ’ቲ መደብ። ልዕሊ ሰማእታትና ኮይኑ ንሕልናና ዝገዝእ ሓይሊ ስለ ዘየለ። ነቶም ሓርነትን ናጽነትን ንምምጻእን ንምዕቃብን ዝተበጀዉ ሰማእቲ ንምዝካር። ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ስርሒት ኮማንዶ ኣጋጣሚ ብምግባር መንእሰያት ምስ ታሪኽ መስዋእትን ጅግንነትን ዝያዳ ምትእስሳር

ንኽህልዎም ዝዓለመ’ዩ ነይሩ፣ ንሃማመተኤ ጨንፈር ሰራሕተኛታት መንእሰያት ሓይሊ ኣየር ወኪሉ ቃል ዘስመዐ። ካፕቴን ሳምሶን ክፍለ ኣብ ዘስምዖ መደረ። “ልዕሊ ሰማእታትና ንሕልናና ዝገዝእ ሓይሊ የለን” ድሕሪ ምባል። “ኩልና ዜጋታት ብፍላይ ድማ መንእሰያት እዚ ዕለትን ቦታን ዘሰክመና ሓላፍነት። ዝዓጠቕናዮ ዕጥቂ ፍልጠትን ሞያን ብምድልዳል። እታ ንሰማእታትና መብጽዓ ዝኣተናያ ብልጽግትን ሕፍርትን ኤርትራ ንምጭባጥ። ኣብ

ትሕቲ’ቲ ጽላል መንእሰያትን ተመሃሮን ዝኾነ ማሕበር። ሃማመተኤ ተወዲብና ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሉ፣

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ። ኣብ’ቲ ስርሒት ዝወዓሉ ኮ/ል ሙሉጌታ ገብሪህይወት (ራያ)ን ሜጀር ተኽለብርሃን ዮውሃንስ (ወዲቐሲ)ን ተረኺቦም ውዕሎኦም ኣዘንትዮም፣ እቶም ኣብ’ቲ ቦታ ክበጽሑ ዝመጹ መንእሰያትን ተመሃሮን። ብዕድመ ንኣሽቱን መብዛሕትኦም። ይትረፍ ነቲ ውዕሎ። ንዕለተ ናጽነት’ውን ኣብ ጽንብላ ዝፈልጡዋ ወልዶ’ዮም፣ እቶም ናይ ትማሊ መንእሰያት ናይ ሎሚ ኣቦታት ሰብ ታሪኽ። ውዕሎኦም ‘እዞም ደቀይ…’ እናበሉ ከዘንትዉ እንከለዉ። ንሳቶም ድማ። ‘ህ… ሽዑኸ ኣቦ’ እናበሉ ብህንጡይነትን ኣግርሞትን ታሪኽ ይቐስሙ። ሕድሪ ይቕበሉ ነይሮም፣

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ። ወላዲቱ ስዉእ መብራህቱ ገብርህይወት። ናይ ስርሒት መጸውዒኡ እምባየ። ተረኺበን ንታሪኽን ጅግንነትን ወደን ምስ ደቀንን ደቂ ደቀንን ኮይነን ይሰምዓ ነይረን፣ ካብ ሓራ መሬት ዝተፈነወ ዜና ዓወት ስርሒት ኮማንዶ ዘበሰረ ፈነወ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ምስ ኣንጎድጎደ። ንዝኽሩ

ዝተጻሕፈት ግጥሚ ተነቢባ፣ ነቶም ሃገር ክተኽሉ ኣብ ሓመድ ዝሰፈሩ ሰማእቲ ሳላኹም ደው ኢልና ደልዲልና ረጊጽና። ጠጢዕና ፈሊስና ዝብል መልእኽቲ ዝጾረ ምትካል ገረብ ቀጺሉ፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ተወልደ ቀላቲ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብርጋደር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ። ኣቦመንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሱልጣን ስዒድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን

ከምኡ’ውን ወላዲት ስዉእ መብራህቱ (ወዲ ረጋሒት) ወይዘሮ ለተንጉስ ዓንደማርያም ገረብ ስዉእ ተኺሎም፣

እቲ መደብ ኣብኡ ኣየብቅዐን፣ በጻሕቲ ብሓባር ናብ’ቲ ኣብ ኣዳራሽ ኤክስፖ ተሰናዲኡ ዝነበረ ምሸት ስነጥበብ ኣምሪሖም፣ ከም ወትሩ መደብ ብዝክረ ሰማእታት ምስ ተኸፈተ። ናይ ክብሪ ዕድምቲ ናይ’ቲ ዕለት። ኣደ ስዉእ ወ/ሮ ለተንጉስ …. ሽምዓ ዝኽሪ ወሊዐን፣

ቃልሲ ንናጽነትና መንእሰይ

ጸዋሪ ሃገር ምዃኑ እኹል ምስክር’ዩ፣ መንእሰይ ይወርስ የውርስ፣ ብፍላይ እዛ ሃገር እዚኣ። ኣብ ዝባን መንእሰያታ ደይባ ዝበረኸትን ክትብርኽ እትነብርን ሃገር’ያ፣ እቶም ብናይ ሰርከስ ምርኢት ዘሰነይወን መንእሰያት’ውን ነዚ’ዮም ኣንጸባሪቖም፣

ብድሕሪ’ዚ ማህጸነን ዝፈረዮም ክልተ ደቀን በጃ ሃገር ዝሓለፉ ወ/ሮ ለተንጉስ ቃል ወላዲት ኣስሚዐን፣ ንሰን ፍረ ደሞምን ዓጽሞምን ናጽነት ጨቢጠን ክሳደን ኣቕኒዐን ዝረግጽኣ ሃገር እታ ዝዓበየት ህያብ ምዃና’የን ዝገልጻ፣ ጅግንነቶም ክጽወ እናክሰምዓ ድማ። ኣበባን መርዓን ደቀን ገይረን ይቖጽረኦ፣ መስዋእቲ መብራህቱ ዝሰምዓሉ ኣጋጣሚ ከዘንትዋ እንከለዋ ከኣ። “መብራህቱ ካብ ዝዓበየሉ ገዛውቲ - ጎዳይፍ ብዙሕ ከይረሓቐ’ዩ ተሰዊኡ፣ እቲ ስርሒት ምስ ተፈጸመ። ‘ኣብ ገጹ በሰላ ዘለዎ ተጋዳላይ ተሰዊኡ’ ምስ በሉኒ ንሱ ምዃኑ ሽዑ ፈሊጠ” ይብላ፣

ብድሕሪ’ዚ ብነባራት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ - ጉጅለ ባህሊ ኣድማስ። ‘ብርሃን ንበሎም’ ዘርእስታ መዝሙር ቀሪባ፣ “ዝኽሪ ሕውየት ዘርእስታ ብመንእሰይ ዮውሃንስ ኣብርሃም ምስ ቀረበት። ድማ

ኣብ’ዛ ረዛን ዕለት ዝኽሪ ሽምዓንመን እናዘከርኩ ከም ዝውልዓ

ንማዕጾ ውሻጠይ ኳሕኲሐዮ ብሕቶክህበኒ እንተለዎ ናይ ልቢ ዝዝንቶ፣

ዝብል ትሕዝቶ ዘለዋ። “ሽምዓ ኣማን” ዘርእስታ ግጥሚ ብመንእሰይ ፊልሞን ካሕሳይ ቀሪባ፣

ዝክረ ሰማእታት ክንገብር እንከሎና ንመን ንዝክር ንኸውን? ውይ እቲ ኣብ ድሮ 20 ሰነ እነብርሆ ሽምዓ ንመን እናዘከርና ንውልዖ ንኸውን? ኣብ’ዛ ግጥሚ ዘሎ ኣዘንታዊ። ነቲ ኣብ ከምዚ እዋን ኣብ ርእሱ ዝመጽእ ኣሳእል እዩ ዘብርህ፣ ንስለ ሓርነት ንዝተበጀዉ ሰማእቲ ንክዝክሩ ምስ መተዓብይቱ። መሳቱኡን ደቂ ገዛውቱን ሽምዓ ዝኽሪ ዘብርሀ። ወራሪ ስርዓት ወያነ ክብርን ልኣላውነትን ናይ መብጽዓ ደሴቱ ክደፍር ምስ መጸ ሪመይ ኣየድፍርን ብምባል ዝመከተ። ኣብ መኸትኡ ድማ በጃ ንዝሓለፈ መተዓብይቱ’ዩ ዝዝክር፣

... ከምዛ ሎሚ ቀንዴል ዝወለዐዝተስከሞ ሕድሪ ዳግም ዝኾለዐነቲ እንኮ ሓድጊ ትርፊ ስድራሰማእት ዝኾነ ከይሰብር ሓደራ

ነቲ ብኣካል ርሒቑ ኣብ ልብና ዘሎኣብ መዝገብ ሕሩያት ስሙ ዝተኸሎ

ሎሚ እወ ሎሚእነኹ እዝክር ረኺበ መስተርሆ

ሽምዓይ ሽምዓ ኣማንስለ መተዓብይቲ የብርሆ፣

ድሕሪ’ዛ ግጥሚ ድማ። ድምጻዊ ሄኖክ ተኽላይ (ናጎ) ‘ብርሃን’ እናበለ ኣዚሙ፣

መዝገብ ሰማእቲ ኤርትራ። ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ቃልሲ ስራሓት እንከለዉ ዝተኸፍሉ ሰማእትን ነቶም ኤርትራውነቶም ከም ገበን ተቖጺሩ ዝተሓርዱን ዝተቐትሉን ዜጋታትን የስፍር፣ ድምጻዊት በኺታ ዓሊ። “ዖና” ብእትብል ደርፋ ነቶም ፍቖዱኡ ብጥይት ዝተቖልቡ። ብካራ ዝተሓርዱ። ብሰንሰለት ናይ ታንክታት ዝተረግጹ። … ሰማእታት ዘኪራ። ንተዓዘብቲ ንድሕሪት መሊሳቶም፣ ኣብ’ታ ምሸት። ክጸውየካ። ኣርኣያ። ኣብ ዝኽሪ። ኣንጊስካኒ መድሕን ዝብላ ግጥምታትን ‘ጽውያ ጅግንነት’ እትብል ብመንእሰይ ኣርያም ወልደኣብ ዝተጻሕፈት ሓጻር ዛንታን ተነቢበን፣ ድምጻዊ ዳዊት ተኽለሰንበት - ሽላን። ነታ ንሓያል መንፈስ ሰማእትን በጃ ናይ ምሕላፍ ወኖምን እተንጸባርቕ ደርፉ። ‘እንተዝመላለስ ኣዚሙዋ፣ መንእሰይ ድምጻዊት ኤደን ሃብቶም ‘ቃልኪዳን ፍቑረይ እትብል ደርፊ ምስ ኣቕረበት። ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ተወልደ ቀላቲ። ብስም መንእሰያት ዞባ ማእከል ዝተዳለወት ህያብ ንወላዲት ስዉእ መብራህቱ

ዓዲሉ፣ ወ/ሮ ለተንጉስ። ምስሊ ወደን ምስ’ቲ ኣብ ስርሒት ኮማንዶ ዝፈጸሞ ታሪኽ ተዛሚዱ ብናይ ኢድ ስእሊ ብውሕሉል ጥበብ ተሳኢሉ ምስ ረኣየኦ ተደቢረን ስዒመንኦ፣ ተሳተፍቲ ድማ።

ሪፖርታጅሪፖርታጅ

ነጃት ነስረዲን

ብናፍቆት ሰማእቲ እናተደፋነቑ። ናይ ሓበን። ክብርን መብጽዓን ጣቒዒት ኣንጎድጊዶሞ፣ ‘ቅሰኑ ሰማእታትና’ ብእትብል ናይ ሓባር መዝሙር ድማ ናይ’ታ ምሸት መደብ ተዛዚሙ፣

ሓወልቲ ሰማእታት ሓይሊ ኣየር

ወላዲት ስዉእ መብራህቱ (የማነይቲ) ኣብ ሓወልቱ ሽምዓ እናብርሃ

ህዝባ ዝሓንገራ ባንዴራ

Page 8: Haddas Eritrea - June 19, 2009

8ሓዳስ ኤርትራ 19 ሰነ 2009

ነታ ካብ ምረት በርቢርና ናጽነት ዝጨበጥናላ ግንቦት ብሰላም ተፋላሊና። እነና 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ምዝካር ንርክብ፣ 30 ዓመታት ዘካየድናዮ መሪር ቃልሲ ሰማእታት ብምኽፋል ናጽነት ጨቢጥና፣ ናጽነት ንምዕቃብ’ውን ዳግማይ ጀጋኑ ሓርበኛታት ወፊና፣ 20 ሰነ ዘይከም ካልኦት ዕለታት

ህድእትን ጽምዋ ዝዓሰላን ምስ ስውኣትና ብመንፈስ እንራኸበላ ረዛን ዕለት ኢያ፣ ነቲ እምባ ናብ ሰጣሕ ጎልጎል። ነቲ ጸላም ድማ ናብ ብርሃን ቀይራ ንህዝቢ መስተርሆት ዝፈጠርት 20 ሰነ ህያብ ሰማእታትና። ኣብ ሕልና ነፍሲ- ወከፍ ኤርትራዊ ንዘልኣለም እናተዘከረት ትነብር ኣላ፣ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል

ዝሓለፈ ረቡዕ 17 ሰነ 2009 ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኽብሉ ዝያዳ ስራሕን ሓላፍነትን ዘሰክምን ኣኼባ ኣኣንጊዳ፣ ኣብታ ዕለት ብዙሓት

ወለንተኛታት ሰብ-ጸጋ ተቐማጦ ዞባ ማእከል “ስውኣትና ቅሰኑ ዓቕምና ዘፍቕዶ ስድራ-ቤትኩም ክንኣሊ ኢና” ብምባል። መብጽዖኦም ኣተግቢሮም፣ ሰማእታትና ምእንታናን ምእንቲ ህዝብን ዝወደቑ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንዘልኣለም እናተዘከሩ ዝነብሩ ጀጋኑ’ዮም፣ ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ። መንግስትን ዜጋታትን ዓቕሞም ብዘፍቐዶ ስድራ ቤት ሰማእታት ንምጥዋር ወትሩ መብጽዖም እናተግበሩ ኣብ ምርብራብ ይርከቡ፣

ይኹን’እምበር። ጾርና ኣዝዩ ገዚፍ ዛጊት ዘሳለጥናዮ ዕማማት ድማ ገና ንእሽቶይ እዩ፣ እቲ ለይለይ ዝብል መንእሰይ። እቲ

ምሁር ኮታስ ኩሎም ኤርትራውያን ሰማእታት ደሞምን ኣዕጽምቶምን ምእንቲ ሃገር ዝኸፈሉ። ዘሰክመና ረዚን ሓላፍነት ክብደቱ ንዘልኣለም እናበረኸ’ዩ ዝኸይድ፣ የግዳስ ካብቲ ብዙሕ ሒደት ካብቲ ገዚፍ ድማ ንእሽቶ እንተገበርና ንኣእምሮና ዕረፍቲ ንሕልናና ቅሳነት ስለ ዝህበና ኩላህና ዓቕምና ከነበርክት ሓላፍነትና ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን፣

ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓላፊ ህግደፍ ጨንፈር ዞባ ማእከል ኣቶ ዮሱፍ ሳይቕ። ንተሳተፍቲ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ። ኣብ ዘስምዖ መደረ። “ምሕብሓብ ስድራ ቤት ሰማእታት ሕጂ ዝተጀመረ ዘይኮነ። ብደረጃ መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ዜጋታት ኣበርቲዖም ክሰርሕሉ

ዝጸንሑ’ዮም፣ እዚ ሕጂ ተኣኪብናሉ ዘለና ዕላማ ድማ። መቐጸልታ ናይቲ ዝጸንሐ መስርሕ ድኣምበር ሓድሽን ዝተፈልየን ኣይኮነን፣ ኣቐዲሙ ብሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝነቐለ ትግባረ ፕሮጀክት ምሕብሓብ ስድራ ቤት ሰማእታት ዝዓለመ ፈላሚ ኣኼባ እኳ ተኻይዱ እንተነበረ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ግን እቲ ተበግሶ ክቕጽል ኣይከኣለን፣ ድሒሩ ግን። እዚ እዋና’ውን ቅዱስ ዕላማን ብሓለፍትን ካድራትን ንኡስ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ጓስጓስ ተኻይዱ ክስርሓሉ ጀሚሩ፣ ብተመሳሳሊ ከኣ እተን ካልኦት ንኡሳን ዞባታት ክስዕብኦ ክኢለን፣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር

እዋን ድማ ዘዕግብ ፍረ ተረኺብዎ” ድሕሪ ምባሉ። ኣቶ ዮሱፍ። ነቶም ብወለንትኦም ስድራ ቤት ስውኣት ክጥውሩ መብጻዓ ዝኣተዉ ሰብ ጸጋ ዞባ ማእከል ምስጋንኡ ብምግላጽ። ብርክት ዝበላ ስድራ ቤት ስውኣት ብውሑዱ ንኽልተ ዓመት ክጥውራ ምዃነን ሓቢሩ፣

ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት። ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ ብወገኑ። “ተራኺብናሉ ዘለና ኣጋጣሚ ድሮ 20 ሰነ ብምዃኑ። ታሪኻዊ መዓልቲ ይገብሮ፣ ካብኡ ሓሊፉ 20 ሰነ መብጻዓና እነሐድሰሉን ንስድራ ቤት ሰማእታት እንታይ ጌርናሎም ኢልና ነብስና እንሓከሉን ዕለት ብምዃና ረዛን ዕለት’ያ፣ እዚ ብዞባ ማእከል ተወሲዱ ዘሎ ኣብነታዊ ስጉምቲ። ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ብዝበለጸ ተደፊኡሉ ክተኣታቶ ቀጻሊ ጓስጓሳት ክግበር ይግበኦ” ብምባል ንጽጉማት ኣባላት ሕብረተሰብና ምሕጋዝ ሓደ ካብ መለለይ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑን፤ ካብ እመት ስድሪ ኣላታ ከም ዝበሃል ግን። ንስድራ ቤት ሰማእታት ምጥዋር ዝያዳ ሚዛን ስለዘለዎ ከም ባህሊ ተኣታትዩ ክስራሓሉ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ፣

ምንባይ ስድራ ቤት ሰማእታት።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና ክሳተፎ’ዩ ጸኒሑ፣ብፍላይ ኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምንባይ ስድራ ቤት ሰማእታት ኣብ ጾር መንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ከምዘይኮነ ኣሚኖም። ብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ እጃሞም የበርክቱ ኣለዉ፣ ንኣብነት። ብወገን ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ንኣስታት 40 ሽሕ ስድራ ቤታት

መጽናዕቲ ተኻይዱ፣ ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ። ብደረጃታት ከምዝስርዑ ተገይሩ፤ 10 ሽሕ ናይ በተኻት በተኽ ዝኾኑ ስድራ ቤት ስውኣት ተፈልዮም ኣስማቶም ንደገ ተሰዲዱ፣ በቶም ኣብ ደገ ዝነብሩ ዜጋታት ግቡእ ምላሽ ረኺቡ ይጥወሩ ከምዘለዉ ጸብጻብ ናይቲ ሚኒስትሪ የነጽር፣

እዚ ጥራይ ዘይኮነ። ኣብ ቀረባ እዋን ነበርቲ ከተማ ተሰነይ ብዝተወደበ መልክዕ ንኣስታት 207 ስድራ ቤታት

ሕልናኻ ዘቕስን ተበግሶ ሪፖርታጅ

ሚኪኤል ባህታ

ስውኣት ብዓቕሞም ክጥውሩ ተበግሶ ወሲዶም ስድራ ቤት ስውኣት ኣብ ምእላይ ይነጥፉ ኣለዉ፣ ኣብቲ ከባቢ ሓደ ዜጋ ክሳብ 20 ስድራ ቤታት ስውኣት ብምጥዋር። ጤለ-በጊዕ። ካሮታትን ናውቲ ሕርሻን ዝኣመሰሉ ገይሮም ኣጣይሰሞም፣ ካብዚ ብዘይፍለ። ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ሮዳብ ብማሕበር ተጠርኒፎም ልዕሊ 570 ሽሕ ናቕፋ ንስድራ ቤት ስውኣት ከም ዘወፈዩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ፣

ጸብጻባት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ከምዘመልክቶ። ካብ 2004 ክሳብ ቀዳማይ ርብዒ 2009። ኣብ ዘሎ ግዜ 1 ቢልዮንን 680 ሚልዮንን ናቕፋ (1,680,000,000) ካብ ባጀት መንግስቲ ናብ ደበስ ስድራ ቤት ስውኣት ኣታዊ ክኸውን እንከሎ። ኣስታት 85 ሚልዮን ናቕፋ ድማ ካብ ዜጋታት ኣታዊ ኮይኑ፣ ደበስ ንስድራ ቤት ስውኣት ተባሂሉ ከኣ ዓመታዊ ልዕሊ 300 ሚልዮን ናቕፋ ናብ ስድራ ቤት ስውኣት ይመቓራሕ፣ በዚ መሰረት ነቶም ኣብ ከተማ ዘለዉ ወርሓዊ ክወሃቦም እንከሎ። ነቶም ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብሩ ስድራ ቤት ስውኣት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ደበስ ይወሃቦም፣

“ምንባይ ስድራ ቤት ስውኣት ከቢድ ዕማም ዝሓትትን ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክምን ብምዃኑ። እቲ ዕማም ንመንግስቲ ጥራይ ከይተሓጽረ ብዙሓት ዜጋታት ናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ወሲዶም ስድራ ቤት ስውኣት ምእላዮም። ኤርትራዊ ዜጋ ማዕረ ክንደይ ኣብ ስውኣቱ ዘለዎ ክብሪ’ዩ ዘርእየካ” ዝበለት ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዳይረክተር ጨንፈር ኮማዊ ኣገልግሎት ወ/ሮ ኣስመረት ኣብርሃ። እዚ ባህሊ ኣብ ካልኦት ዘይርከብ ከም መለለይ ዜጋታትና ኮይኑ የገልግል ከምዘሎ ትገልጽ፣ ብመንግስቲ ዝወሃብ ደበስ ንስድራ ቤት ሰማእታት ኣብ ቦትኡ ሃልዩ። እቶም ኣብ ደገ ዝነብሩ ዜጋታት ብወለንትኦም ስድራ ቤት ስውኣት ክጥውሩ መብጽዓ ኣትዮም ኣብ ትግባረ ተሰጋጊሮም ከምዝርከቡ ዝጠቐሰት ወ/ሮ ኣስመረት። እዞም

ተስፋይ ወ/ሚካኤል

ወ/ሮ ሶፍያ ጊለ

ኣቶ ብርሃነ ተኽለ

ግዱሳት ዜጋታት ተበግሶ ዝወስዱ ዘለዉ ዝገብርዎ ሓገዝ ኣብ መዳይ ቁጠባ ጥራይ ከይተወሰኑንስድራ ቤት ስውኣት ብኣካል ረኺቦም ብሞራልን

መንፈስን ከተባብዕዎምን እንተላይ ኩነታት ጥዕንኦም ክሓቱ እንከለዉ። ማዕረ ክንደይ ንቕድሚት ሰጕምና ከምዘለና ዘርኢ ምዃኑ ሓቢራ፣ ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከቡ ሰብ ጸጋ’ውን ስድራ ቤት ሰማእታት ንምሕጋዝ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ኣመስጊና፣ ካልኦት’ውን ዓቕሞም ብዘፍቀዶ ስድራ ቤት ስውኣት ንምሕጋዝ ኣሰሮም ክስዕቡ ተላብያ፣

ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል። ን10 ስድራ ቤት ስውኣት ንኽልተ ዓመት ንምጥዋር መብጽዓ ዝኣተወ’ዩ፣ ንሱ። “እዚ ሎሚ እነስተማቕሮ ዘለና ብርሃን ናጽነት ቀያሕቲ ከፊልና ዘምጻናዮ እዩ፣ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ስድራ ቤታት ስውኣት ንምጥዋር ሓላፍነት ኣለዎ፣ ኩሉና ዓዓቕምና ከነበርክት ግቡእና’ዩ፣ ዕዳና ንኸፍለሉ ግዜ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ’ዩ” ክብል ንስድራ ቤት ስውኣት ኣብ ጎድኖም ኮይንና ብዓውታ ኣለናልኩም ንበሎም ኢሉ፣ ካልኦት ዜጋታት እውን ነዚ ሰናይ ተግባር ክስዕብዎ ጻውዒት ኣቕሪቡ፣

ወናኒት ስታር ሆቴል ወ/ሮ ሶፊያ ጊላይ። ን20 ዓመታት ኣብ ስደት ዝነበረትን ባዕልቲ ቤት ስዉእን እያ፣ ወ/ሮ ሶፍያ “ልዕሊ ሃገርን መሬትን ዝስራዕ ነገር የለን፣ ስውኣትና ንዘልኣለም እናተዘከሩ ዝነብሩ ሓወልቲ ሃገር እዮም፣ ንሳቶም ነባሪ ታሪኽ ገዲፎም ሓሊፎም ኣለዉ፣ ንሕና ብግዴና ነቶም ብሓደራ ዝገደፉልና ስድራ ቤቶም ክንጥውር መሰልን ግዴታን ኣለና” ብምባል ዓቕማ ዘፍቕዶ ናይ ምእላይ ተበግሶ ወሲዳ ምህላዋ ኣረጋጊጻ፣

ኣቶ ብርሃነ ተኽለ ወናኒ መሸጣ መጻሕፍቲ ኒያላ ብወገና። “መንግስቲ ንበይኑ ንስድራ ቤት ስውኣት ክሕብሕቦም ኣይክእልን እዩ፣ ኩሉ ዜጋ ብፍላይ ሰብ ጸጋ ሓላፍነት ክስከሙ ይግባእ፣ እቲ ብመንግስቲ ዝወሃብ ደበስ መሰል ኮይኑ። ስድራ ቤት ስውኣት ተወሳኺ ሓገዛትን ምትብባዕን ክንፈጎም የብሉን፣ ህግደፍ ዞባ ማእከል ከኣ። ከምዚ ዓይነት ጓስጓስ ኣካይዱ ናብ’ዚ ሓላፍነት እንስከመሉ ደረጃ ከብጽሓና ብምኽኣሉ ከመስግኖም ይፈቱ” ኢሉ፣

ኣብ’ቲ ኣዳራሽ ነዚ ምቑሉል ኣበርክቶ ክገብሩ። 190 ሰብ ጸጋ ክርከቡ እንከለዉ። ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ዝርከቡ 215 ስድራ ቤት ሰማእታት ማለት ንኽልተ። ሰለስተ ክሳብ ዓሰርተ ስድራ ቤት ንኽልተ ዓመት ክጥውሩ መብጻዓ ኣትዮም፣ እዚ ቅዱስ ተግባር ክትርኢ እንከለኻ ይበል ዘብልን ንሕልናኻ እፎይታ ዝህብን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ፣

***

Page 9: Haddas Eritrea - June 19, 2009

9ሓዳስ ኤርትራ 19 ሰነ 2009

ዛንታታት ኣብ ኩሉ ኣለዉ፣ ገለ ዛንታታተይ ካብ ናይ መናፈሻ መንበር እየ ረኺበዮም፣

ኦ ሄንሪ ዓለም ካብ ዘፍረየቶም ዉሩያት ደረስቲ ልብ ወለድ ዛንታታት ሓደ እዩ፣ ኦ ሄንሪ ዝብል ስም ናይ ኣመሪካዊ ደራሲ ዊልያም ሲድኒ ፖርተር ናይ ብርዒ ስም እዩ፣ ናይ ኦ ሄንሪ ድርሰታት ትኩረትን ዉርጹጽ ምርድዳእ ዝተጎናጸፉ ገጸ ባህርያትን ጥበብ ዝመልኦ ኣፈጻጽማን ዝመለለይኦም ሓጸርቲ ዛንታታት እዮም፣

ናይ ንእስነት ግዜናይ ንእስነት ግዜዊልያም ሲድኒ ፖርተር ኣብ

ግሪንስቦሮዉ ሰሜን ካሮሊና ብመስከረም 11 1862 ዓመተ ምህረት እዩ ተወሊዱ፣ ኣቡኡ ዶክተር ኣልጀርኖን ሲድኒ ፖርተር ዝተባህለ ሓኪም ኪኸዉን ከሎ ኣዲኡ ድማ ሜሪ ጀንቨርጂንያ ስዌይን ፖርተር ትበሃል፣ ዊልያም ወዲ 3 ዓመት እንከሎ ኣዲኡ ብሕማም ዓባይ ሰዓል ስለዝሞተቶ ንሱ ኣቡኡን ናብ እንዳ ዓባዩ (ኣደ ኣቡኡ) እዮም ክግዕዙ ተገዲዶም፣ ዊልያም ፖርተር ኣብ ንእስነቱ ምንባብ ይፈቱ ስለዝነበረ ዝረኸቦም ልብ ወለድ ዛንታታት (ነዋሕትን ሓጸርትን) የንብብ ነበረ፣ ሓንቲ ካብተን ህቡባት ድርሰታቱ ካኣ ዋን ታዉዘንድ ኤንድ ዋን ናይትስ ዘርእስታ መጽሓፉ እያ፣

ፖርተር ናይ መባእታ ትምህርቱ ኣብታ ኣሙኡ ኢቬሊና ማርያ ፖርተር ትዉንኖ ዝነበረት መባእታ ቤት ትምህርቲ እዃ እንተወደአ ኣሙኡ ግን ክሳብ ወዲ 15 ዓመት ተማሃራይ ካልኣይ ደረጃ ከሎ ተወሳኺ ሓገዝ ኣየቋረጸትሉን፣ ብ1879 ዓመተ ምህረት ካኣ ኣብ እንዳ ሃወቡኡ ቤት መሸጣ መድሃኒት ክሰርሕ ምስ ጀመረ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከም ፋርማሲስት ኮይኑ ክሰርሕ ፍቓድ ተዋህቦ፣ ኣብዚ ቤት መሸጣ መድሃኒት እናሰርሐ ድማ ኣብ ስነ-ጥበብ ዘለዎ ክእለት ብምንጽብራቕ ናይ ከተመኛታት ናብራ ዘርኢ ንድፊ ኣቕረበ፣

ጉዕዞ ናብ ቴክሳስጉዕዞ ናብ ቴክሳስፖርተር ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ

ዘየቋርጽ ሰዓል “ናይ ክሊማ ለዉጢ እንተገይረ ክቃለለለይ እዩ” ዝብል ተስፋ ሒዙ ብ1882 ዓ.ም ምስ ዶክተር ጀምስ ኬይሆል ናብ ቴክሳስ ገጹ ኣምረሐ፣ ናብቲ ኣብ ኣዉራጃ ላሳለ ዝርከብ መራብሒ ኣባጊዕ ናይ ወዲ ዶክተር ጀምስ ሪቻርድ ሆል ብምጽንባር ካኣ ኣብ ጉስነት። መግቢ ምብሳልን ቆልዑ ኣብ ምክንኻንን ክነጥፍ ጀመረ፣ ኣብዚ ናይ ሕርሻ ቦታ እናሰርሐ እንከሎ ካብቶም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጽኡ ሓረስቶት ቋንቋታት እስጳኛን ጀርመንን ከጽንዕ ሓጊዝዎ እዩ፣ ብተወሳኺ’ዉን ጥንታዊ ስነ-ጽሑፍ ንኸንብብ እኹል ግዜ ረኺቡ እዩ፣ ፖርተር ጥዕንኡ ስለዘይተመሓየሸ ብ1884 ናብቶም መሓዙት ሪቻርድ ዝነበሩ ኣብ ኦስቲን ዝቕመጡ እንዳ ሃረል ምስ ሪቻርድ ምስ ከደ ናብ ላሳለ ኣይተመልሰን፣ ኣብቲ ዝቐጸለ ንዉሕ ዝበለ ግዜ ድማ ከም ፋርማሲስት። ነዳፊ። ናይ ባንኪ ካሴሪን ጋዜጠኛን ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሓት ይነጥፈሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ናይ ድርሰት ስራሕ እዉን ከም ተወሳኺ ዕዮ ጀሚርዎ ነበረ፣

ብድሕሪ’ዚ ፖርተር ኣብ ኦስቲን ምስ ጉጅለታት ድራማን ደርፍን ንጡፍ ማሕበራዊ ህይወት እዩ ክመርሕ ጀሚሩ፣ ፖርተር ንፉዕ ናይ ሙዚቃ ክኢላን ደራፋይን እዩ ነይሩ፣ ጊታርን

ዊልያም ሲድኒ ፖርተር1862 – 1910

መንዶሊንን ጽቡቕ ገይሩ ይጻወት ከም ዝነበረ ካኣ ይፍለጥ፣ ፖርተር ኣባል ናይታ ብመንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ዝቖመት ብቐትርን ብለይትን ኣብ ቅድሚ እኩባት ሰባት ናይ ሙዚቃ ምርኢት እተቕርብ ዝነበረት ሂል ሲቲ ኳርተት ዝተባህለት ጉጅለ ከም ዝነበረ’ዉን ይፍለጥ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ፖርተር ምስ ኣቶል ኤስተስ ዝተባህለት ጓል 17 ዓመት ካብ ሃብታማት ስድራ ዝተወልደት ጎርዞ ብምልላይ ንመርዓ ሓተታ፣ እንተኾነ ግን ኣቶል ብሕማም ዓባይ ሰዓል ትሳቐ ስለዝነበረት ኣዲኣ ንኸይትምርዖ ብትሪ ተቓወመት፣ ነዚ ዝፈለጠት ኣቶል ግን ናብ እንዳ ኣር ኬይ ስሞት ዝተባህለ ካህን ምስ ፖርተር ጸሊቛ ብምኻድ ብሓደ ሓምለ 1887 ስነ-ስርዓት መርዕዖም ፈጸሙ፣

ክልቲኦም መጻምድቲ ኣብ ጉጅለታት ናይ ሙዚቃን ትያትርን ተሳትፎኦም ኣብ ምቕጻል እንከለዉ ኣቶል ንበዓል ቤታ ናይ ስነ-ጽሑፍ ስርሑ ክደፍኣሉ ተተባብዖ ነይራ፣ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ከምዚ ኢሎም ስርሖም እናቐጸሉ ዓርኪ ፖርተር ሪቻርድ ሆል ናይ ቴክሳስ ኮምሽነር መሬት ኮይኑ ስለዝተመርጸ ንፖርተር ኣብ ቴክሳ ስራሕ ረኸበሉ፣ ፖርተር ድማ ብ1887 ከም ናይ ከተማ ካርታ ነዳፊ ኮይኑ ንወርሒ ሚእቲ ዶላራ እናተኸፍሎ ስርሑ ጀመረ፣ ፖርተር ግን ናብርኡ ንኽመርሕ ዋላ እኳ ዝ ኣክል ደመወዝ እንተነበሮ ኣብ መጽሔታትን ጋዜጣታትን ዝገብሮ ዝነበር ኣበርክቶ ከይተሓለለ እዩ ቀጺልዎ፣

ኣብ ህንጻ ቤት ጽሕፈት መሬት (GLO) ኮይኑ ድማ ናይተን ጆርጅያስ ሩሊንግን በሪድ ትሬዠርስን ዘርእስተን ዛንታታቱ ገጸባህርያትን ዉጥናትን ከማዕብል ጀመረ፣ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ዝነበሮ ስራሕ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዘሰክም ስለዝነበረን ሆል ዓርኩ ኣብ 1890 ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ስለዘይተዓወተን ካኣ ፖርተር ኣብ መጀመርያ 1891 ሓድሽ ኣመሓዳሪ ስርሑ ምጅማሩ ቀልጢፉ ስርሑ ለቐቐ፣ ሽዑ ንሽዑ ድማ ፖርተር ብተመሳሳሊ ደሞዝ ኣብ ኦስቲን ዝርከብ ባንኪ ከም ካሴሪ ኮይኑ ስራሕ ጀመረ፣ እቲ ባንኪ ዝምርሓሉ ሕግታት ንጹር ስለዘይነበረ ግን ፖርተር ሕሳባቱ ንኽቆጻጸር ብዙሕ ተሸገረ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብ1894 ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ካብ ስርሑ ተባረረ፣ ናብ ፍርዲ ግን ኣየቕረብዎን፣ ብዝኾነ ካብዚ ግዜ’ዚ ጀሚሩ ምሉእ ግዚኡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ብምዉፋይ ነታ ዘር ሮሊንግ ስቶን ዘርእስታ ሰሙናዊት ተኸታታሊት መስሓቕ ዛንታ ክሰርሕ ጀመረ፣ እዛ ዛንታ እዚኣ ብዛዕባ ኣብ ህይወት ደቂ ሰብ ዘጋጥሙ ናይ ፖለቲካ ላግጽታትን ናይ ፖርተር ሓጸርቲ ዛንታታት ስእልታትን ዘጠቓለለት ተፈታዊት መጽሓፍ እያ ነይራ፣ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ፖርተር ንወሰንቲ ዝኾኑ ሰበስልጣን ብዋዛ ስለዝጎጣጠዮም ብዙሕ ቅዳሕ ከይሸጠ ከሎ ብጸቕጢ ናይዞም ሰበስልጣን ካብ ሕትመት ኣቋረጸት፣ ፖርተር’ዉን ሽዑ ንሽዑ ናይ ሆስተን ፖስት ኣዳላዊ ኣቓልቦ እንተዘይይረክብ ነይሩ ካብ መሸጣ መጽሓፍቱ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊ ናብርኡ ንኽመርሕ እኹል ስለዘይነበረ ነቲ ናይ ድርሰት ስራሕ መቋረጾ ነይሩ፣

ስለዚ ካኣ ፖርተር ስድርኡ ሒዙ ናብቲ ብ1895 ከም ኣዳላዊ ዓምዲ ኣብ

ሆስተን ፖስት ኮይኑ ስራሕ ዝጀመረሉ ከተማ ሆስተን ጉዕዘ፣ ናይ ሽዑ ደሞዙ ግና 25 ዶላር ንወርሒ እኳ እንተነበረ ተፈላጥነቱ እናዓበየ ምስ ከደ ግን ደሞዙ’ዉን ብኡ መጠን እናወሰኸ ከደ፣ ፖርተር ነታ ዘዳልዋ ዝነበረ ዓምዲ ኣብ ገበላታት (ኮረድዮታት ናይ ሆቴላት) ዝረኽቦም ዝነበሩ ሰባት ብምዕዛብን ብምዝርራብን ሓሳባት ይእክብ ነበረ፣ እዚ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ጥበብ እዚ ካኣ ኣብ ምሉእ ናይ ድርሰት ህይወቱ ዝተጠቕመሉ ሜላ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ሆስተን ከሎ ካኣ

እቲ ኣብ ኦስቲን ከሎ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ባንኪ ብናይ ፈደራል ኦዲተራት ኦዲት ስለዝተገብረ እሞ ብዙሕ ጉድለታት ስለዝተረኽቦ ንፖርተር ናይ ምጥፍፋእ ክሲ ቀሪቡሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣተወ፣ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት እንተዘይኣመነሉ እኳ ካብ ፍርዲ ከምልጥ ኣይከኣለን፣ ሓሙኡ ንፖርተር ብዋሕስ

ንኽልቀቕ እኳ ሓሳብ ኣቕሪቡ እንተነበረ ፖርተር ግን ሓደ መዓልቲ ናብ ፍርዲ ቅድሚ ምቕራቡ ብ7 ሓምለ 1896 ዓ.ም ናብ ኒውኦርልየንስ ጸኒሑ ድማ ናብ ሆንድራስ ሃደመ ፣ ኣብ ሆንድራስ ኣብ ስደት ከሎ ድማ ካቤጅስ ኤንድ ኪንግስ ዘርእስታ ጽሑፍ ዘርገሐ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ንበዓልቲ ቤቱ ኣቶልን ንማርጋሬት ጓሉን ናብ ኣስቲን ስድራ ኣቶል ዝርከብዎ ቦታ ሰደደን፣ ኣቶል ናብ ኦስቲን ምስተመልሰት ግን ኣዝያ ስለዝሓመመት ፖርተር ኣብ የካቲት 1897 ናብ ኦስቲን ብምምላስ ናብ ቤት ፍርዲ ኢዱ ሃበ ፣ ሓሙኡ ድማ እንደገና ፖርተር ምስ ስድርኡ መታን ክጸንሕ ብዋሕስ ንኽልቀቕ ጥርዓን ኣቕረበ ፣ ኣቶል ኤስተስ ፖርተር ብ25 ሓምለ

1897 ዓ.ም ስለዝሞተት ፖርተር ውን ብዙሕ ናይ መከላኸሊ ነጥብታት ከቕርብ ስለዘይከኣለን ገበነኛ ኮይኑ’ውን ስለዝተረኽበን ን5 ዓመት ማእሰርቲ ተፈርደ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ፋርማሲስት ስለዝነበረ ኣብቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሆስፒታል ከም ፋርማሲስት ኮይኑ የገልግል ስለዝነበረ ብፍላይ ኣብ ግዜ ለይቲ ናብቲ ናይ ማእሰርቲ ካሜርኡ ዳርጋ ኣትዩ ኣይፈልጥን ኔሩ፣ ኣብዚ ቤት ማእስርቲ ከሎ ድማ ዝተፈላለየ ናይ ብርዒ ኣስማት ዝሓዙ 14 ዛንታታት ክጽሕፍ ኪኢሉ እዩ፣ እዛ ኦ ሄንሪ እትብል ናይ ብርዒ ስም ግን ዝያዳ ተፈላጥነት ብምርካባ ክትጠብቖ ኪኢላ ፣ ነዚ ኩሉ ጽሑፋቱ ብመንገዲ ሓደ ኣብ ኒው ኦርሌንስ ዝነብር ዝነበረ ዓርኩ ይመሓላለፍ ስለዝነበረ ግን ጸሓፊ ናይዚ ዛንታታት እዚ እሱር ከምዝነበረ ዝፈልጥ ኣዳላዊ መጺሄት ኣይነበረን፣ ፖርተር ንሓሙሽተ ዓመት እኳ ተፈሪዱ እንተነበረ ብዘርኣዮ ጽቡቕ ጠባይን ምቕሉልነትን ኣብ ሰለስተ ዓመቱ ካብ ማእሰርቱ ተፈትሐ ፣ ብድሕሪ’ዚ ናብ እንዳ ሓሙኡ ግዒዘሙሉ ዝነበሩ ቦታ

ፒትስበርግ ፐንሲልቫንያ ብምኻድ ምስ ጓሉ ተራኸበ ፣ ዳሕረዋይ ሂወቱ ናይ ፖርተር መብዛሕትኦም

ዛንታታቱ ብ1902 ዓ.ም ናብቶም ኣሕተምቱ ዝርከብሉ ቦታ ከተማ ኒውዮርክ ምስተቐየረ እዮም ዝጅምሩ ፣ ኣብዚ ኮይኑ’ዩ 381 ሓጸርቲ ዛንታታት ክጽሕፍ ዝኸኣለ ፣ ኣብ ኒውዮርክ ወርልድ ሳንደይ መጋዚን ንሰሙን ሓደ ዛንታ እናጸሓፈ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ቀጸለ ፣ ብልሓት ። ውርጹጻት ገጸባህርያትን ዝተሓላለኹ ውዲታትን ዝተላበሱ ዛንታታቱ ብኣንበብቱ ኣዝዮም ተፈተውቲ እኳ እንተነበሩ ብገለ ነቐፍቲ ግን መብዛሕትኡ እዋን ብደቒቕ እዮም ዝፍተሹ ኔሮም ፣ ኣብ 1907 ዓ.ም ፖርተር ናብ መበቖል ዓዱ ሰሜን ካሮላይና ክበጽሕ ምስ ከደ ምስ ናይ ንእስነት ፍቕሩ ዝነብረት ሳራ ሊንድሲ ተራኺቡ ተመርዓወ፣ ፖርተር ምስ’ዚ ኩሉ ዕዉት ናይ ሓጺር ዛንታ ሕትመታቱን ዝንኡን ኣዝዩ ሰታይ እናኾነ እዩ መጺኡ፣ ስለዚ ከኣ ካብ 1908 ዓ.ም

ጀሚሩ ኩነታት ጥዕንኡ ክሳብ ንናይ ስነጽሑፍ ድርሰታቱ ዝጸልዎ ኣዝዩ እናበኣሰ ከይዱ ሳራ ሰበይቱ‘ውን ብ1909 ዓ.ም ራሕሪሓቶ ከደት ፣ፖርተር ከኣ ብድሕሪኣ ብዙሕ ከይጸነሐ ብ5 ሰነ 1910 ዓ.ም ብሕማም ጸላም ከብዲ ተሳቕዩ ሞተ ፣ ካብ ዛንታታቱ ካብ ዛንታታቱ ናይ ኦ ሄንሪ ጽሑፋት ክሳብ

“ኣፈጻጽማ ኦ ሄንርይ ” ዝብል መጸውዒ ዝረኽቡ ብሃንደበትነት ኣፈጻጽመኦም ዝልለዩ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ግን ከኣ ልቢ ዘንጠልጥሉ ዛንታታት እዮም ፣ ሓደ እዋን’ውን “እቲ ኣሜሪካዊ ገይ ዲ ማውፓሳንት” ተሰምዩ እዩ፣ ገይ ዲ ማውፓሳንት ከምዚ ናይ ኦ ሄንሪ ሃንደበትነት ኣወዳድኣ ዘለዎም ጽሑፋት ዘፍረየ ዉሩይ ፈረንሳዊ ደራሲ እዩ፣ ናይ ኦ ሄንሪ ጽሑፋት ግን ዝያዳ ኣዘናጋዕትን ኣወንታዊ ትሕዝቶን ዝሓዘሉ እዮም ፣ ብዙሓት ካብ ዛንታታቱ ቦታ ፍጻሜኦም ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኮይኑ ብዛዕባ ተራ ሰባት ። ጸሓፍቲ ። ፖሊስን ኣሳሰይትን ከኣ የዘንትዉ ፣ ብመሰረቱ ምስ ፍርያት ናይቲ

እዋን ኣዛሚድካ ክረአ እንከሎ ስርሓት ኦ ሄንሪ ምስ ቃና ናይቲ ዕድመ ዝስጉሙ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ብሉጻት ኣብነታት እዮም ፣ ኣብ ምኹላል መርብሒ እንስሳ ቴክሳስ ይኹን ወይስ ኣብ ምፍታሽ ኣብ ኣጋ ምቕያር ክፍለዘመን ኣብ ኒውዮርክ ዝነበረ ናይ ደርብታት ወጥሪ ኦ ሄንሪ ነቲ ክግለጽ ዘይከኣል ሃብቲ ኣኻዕቢቱ ዝነበረ ሒደት ክፋል ሕብረተሰብ ከመይ ጌሩ ነቲ ዝበዝሐ ድኻ ክፋል ሕብረተሰብ ይንጽሎ ከምዝነበረ ክድገም ብዘይከኣል ውሕሉል ስራሕን ብሉጽ ቋንቋን ጌሩ ገሊጽዎ እዩ ፣ ገለ ካብቶም ብሉጻት ግን ከኣ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይነበሮም ጽሑፋቱ ኣብታ ካበጅስ ኤንድ ኪንግስ ዘርእስታ ብዙሓት ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፉ እዮም ሰፊሮም ነይሮም ፣ ሒደት ኣብነታት ካብ ብሉጻት

ዛንታታቱ ንምጥቃስ “ዘ ጊፍት ኦፍ ዘ ማጂ” ዘርእስታ ሓጻር ዛንታ ሓንቲ ካብ ብዙሓት እያ፣ ኣብዛ ዛንታ ናይ ልደት ህያብ ንኽለዋወጡ ክቱር ድሌት ዘለዎም ክልተ መንእሰያት መጻምድቲ ኣለው፣ እንተኾነ ግን ክልቲኦም መጻምድቲ ንህያብ መግዝኢ ዝኸውን ወላሓንቲ ገንዘብ የብሎምን ፣ ዴላ ። ጅም

ከይፈለጠ እቲ ዝኸበረ ንሳ እትውንኖ ኣዝዩ ጽቡቕ ጸጉራ ሸይጣ ንጅም መእሰሪ ስዓት ዝኾኖ ናይ ፕላቲንዮም ሰንሰለት ከም ህያብ ትገዝኣሉ፣ ጅም ድማ ዴላ ከይፈለጠት እታ ዝኸበረት ንሱ ዝውንና ስዓቱ ሸይጡ ንዴላ ህያብ ዝኸውን ዝተሰለመ ፌኮ ይገዝኣላ፣ በዚ ከኣ ጅም ሰንሰለት ብዘይ ስዓት ዴላ ድማ ፌኮ ብዘይ ጸጉሪ ሒዞም ተረፉ፣ እዛ ዛንታ እዚኣ ካብ ትጻሓፍ ኣትሒዛ ነዚ ዝሓለፈ ክፍለዘመን ብዙሕ ግዜ ተባዚሓ ። ተተርጒማ ።ተቐዲሓ (ኣምሲሎም ሰሪሖማ) ወይ ውን ተደጋጋሚ ተዘንቱ ኢያ ፣ “ዘ ራንሰም ኦፍ ሬድ ቺፍ”

እውን ካልእ ናይ ኦ ሄንሪ ብልጽቲ ድርሰት እያ ፣ እዛ ዛንታ’ዚኣ ከኣ ብዛዕባ ክልተ ሰብኡት ሓደ ወዲ 10 ዓመት ቆልዓ ይጨውዩ’ሞ እቲ ቆልዓ ኣዝዩ ህውኮተኛን ዘስካሕክሕን ብምንባሩ ንሳቶም ክሓትዎ ዝብግብኦም ዝነበረ ገንዘብ 250 ዶላር ነቡኡ ከፊሎም ወዱ ክወስደሎም ከምዝገበሩ እያ ተዘንቱ፣ ብዘይካ እዚኦም እውን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ክሳብ ሎሚ ዝነኦም ዘይሃሰሰ ሓጸርቲ ዛንታታት ኣበርኪቱ እዩ ሓሊፉ ኦ ሄንሪ፣ ገለ ንምጥቃስ ኤ ማኒሲፓል ሪፖርት ። ዘ ኮፕ እንድ ዘ ኣንተም ። ዘ ረትሪቭድ ሪፎርመሽን ። ኣፍተር 20 ይርስ ። ኮምፕሊመንትስ ኦፍ ዘ ሲዝን ። ፍሬንድስ ኢን ሳን ሮዛርዮን ካሎኦትን ክሳብ ሎሚ ተጠላብነተን ዘይሃሰሰ ብሉጻት ድርሰታቱ እየን ፣

ብዛዕባ ናይ ብርዒ ስሙብዛዕባ ናይ ብርዒ ስሙ ፖርተር ብዛዕባ ኣበጋግሳ ናይ ብርዒ

ስሙ ዝሃቦ መግለጺታት ዝተፈላለየ እዩ ፣ ኣብ 1909 ዓ.ም ምስ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ዝሃቦ መግለጺ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ፣ “ኣብ ኒው ኦርሊየንስ ኣብ ዝንበርኩሉ እዋን’ዩ ኦ ሄንሪ ዝብል ናይ ብርዒ ስም ዝለገበኒ ፣ ንሓደ ዓርከይ ‘ገለ ጽሑፍ ከሕትም’የ ክንደይ ከምዘውጽእ ኣይፈልጥን ሕጂ ግን ናይ ስነጽሑፍ ሳጓ እደሊ ኣለኹ እሞ ሓደ ጽቡቕ ሳጓ ንኽረክብ ሓግዘኒ’ ኢለዮ ። ንሱ ከኣ ‘ ጋዜጣ እሞንርከብ ካብቶም ኣብኡ ዝረኸብናዮም ፍሉጣት ኣስማት ሓደ ንውሰድ’ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡለይ ፣ ኣብቲ ናይ ሕብረተሰብ ዓምዲ ገለ ፍሉጣት ኣስማት ረኺብና ። ናብቲ ሊስታ ምስ ጠመትኩ የዒንተይ ኣብ ሄንሪ ዝብል ስም ዓለባ ‘ ከም ናይ ኣቦ ስም ኮይኑ ከገልግል ይኽእል እዩ’ በልኩ ። ‘ከም ናይ መጀመርያ ስም ኮይኑ ዘገልግል ድማ ሕጽር ዝበለ ሰለስተ ፊደላት ዘይበጽሕ ስም ርኸብ’ ኢለዮ ፣ ዓርከይ ድማ ‘ እሞ ብቐሊሉ ዝድመጽ ናይ መጀመርያ ፊደል ዘይትጥቀም’ ኢሉኒ ፣ ኣነ ከኣ ጽቡቕ ብምባል ‘ኦ’ ዝብል ፊደል ከተድምጾን ክትጽሕፎን ዝቐለለ ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ መሪጸዮ፣” ይብል ፖርተር ። ኦ ሄንሪ ዝብል ስም ብኸመይ ከምዝለገቦ ክገልጽ ከሎ ፣ ውርሻ ውርሻ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ኣሜሪካ ‘ኦ

ሄንሪ ኣዋርድስ’ እናተባህለ ንብሉጻት ጸሓፍቲ ሓጸርቲ ዛንታታት ዓመታዊ ዝወሃብ ሽልማት ንኽብሪ ፖርተር ተባሂሉ ዝዕደል ሽልማት እዩ፣ ብዘይካ’ዚ እውን ብዙሓት ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ፖርተር ናይ ብርዒ ስም ዝሓዛ ከምዘለዋ ይፍለጥ፣

ምሕረተኣብ ፍስሃየ

Page 10: Haddas Eritrea - June 19, 2009

10ሓዳስ ኤርትራ 19 ሰነ 2009

ብሰንኪ ሓድ ሕድ ውግእ ኣብ ሴራልዮን ከተማ ገሪሁን ተዓጽዩ ዝነበረ መደበር ፖሊስ ኣብዚ ቕንያት እዚ ኣብ ዝተኸፍተሉ ግዜ ሰፈር ኣትማን ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ማዕከናት

ዜና ሓቢሮም፣ኣብቲ መደበር ፖሊስ ዝሰፈሩ ኣትማን

ንምስጓጕ ብሰብ ሽሕርን ዓዘምትን ዝተገብረ ፈተነ ድሕሪ ምፍሻሉ ፖሊስ ብሓይሊ ተዅሲ ከውጸኦም ከም እተገደደ ተፈሊጡ፣

ኣብቲ ህንጻ ሰፊሮም ካብ ዝነበሩ 400 ኣትማን ኣስታት 250 ክቕተሉ እንከለዉ ዝተረፉ ምህዳሞም ጸብጻባት የረድኡ፣

ብሰንኪ እቲ ካብ 1999 ክሳዕ 2001 ኣብ ሴራልዮን ዝተራእየ ሕድሕድ ውግእ ከተማታት ሰብ ኣልቦ ኰይነን ብምጽንሐን ተመለስቲ ስደተኛታት ኣባይቶም ብኣራዊት ተባሒቱ ከም ዝረኽብዎ ምንጭታት ይሕብሩ፣

ኣብዚ እዋን’ዚ ምድረበዳነት ምድካይ መሬትን ደርቅን ኣብ ብዙሓት ሃገራት

ዓለም እቲ ቀንዲ ጠንቂ ቁጠባዊ። ማሕበራውን ኣከባብያውን ቅልውላው ኰይኑ ይርከብ፣

እዚ ተርእዮታት’ዚ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ይኹን’ምንበር ኣዝዩ ገኒኑ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገራት ሳህለ ሳህራ ይርከብ፣ ብሰንኪ ደርቅን ምድካይ መሬትን ድማ ሚልዮናት ህዝቢ ዓለም ካብ ዝነብርሉ መበቆል ዓዶም ናብ ካልእ ይሓይሽ እዩ ዝብልዎ ከባቢታት ይግዕዙ ኣለው፣ ኣብ ቀረባ እዋን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ብሰንኪ ምድካይ መሬትን ክሊማዊ ለውጥን ዛጊት ኣብ ዓለም ካብ 17 ክሳብ 24 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ዝነብርሉ መበቆል ቦትኦም ከም እተማዛበሉ የረጋግጽ፣ እዚ ኩነታት’ዚ ብከምዚ እንተ ቀጺሉን ንምግትኡ ግብራዊ ዝኾነ ፖሊሲታት እንተዘይተሰሪሕሉን ከኣ ክሳብ ዓመተ 2050 ኣስታት 200 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ሳዕቤናት ድርቅን ካብ ዝነብርሉ ኣከባቢ ክመዛበሉ ምዃኖም እቲ መጽናዕቲ የጠንቅቕ፣

ዓለማዊ መዓልቲ ምምካት ምድረበዳነትን ሳዕቤናት ድርቅን ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ሰነ 17 እዩ ዝዝከር፣ ሎሚ ዓመት ድማ ንምዕባይ ኣፍልጦ ደርቅን ሳዕቤናቱን። “መጻኢና ንምውሓስ ማይን መሬትን ንዓቅብ” ብዝብል ቴማ ብደረጃ ዓለምለኸ ይዝከር ኣሎ፣

ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምውሓስ መጻኢ ሂወት ደቂ ሰባት ስለ ዝኾነ ከኣ ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ነዚ መልእኽቲ እዚ እዩ ዘንጸባርቕ፣ ማይን ሓመድን ከይዓቀብካ ውሕስነት መግቢ ክረጋገጽ ኣይከኣልን፣

ኣብ ሃገርና ምስ እንርኢ ከኣ መሬት እቲ ቀንዲ ባህርያዊ ጸጋ ኤርትራ ዀይኑ ልዕሊ 70% ካብ ህዝብና መነባብሮኡ ኣብ ሕርሻን መጓሰን ዝተመርኰሰ እዩ፣ይኹን እምበር ባህርያዊ ንጥፈታት ወዲ ሰብ ብዝፈጠሮ ሽግራትን ቀጻሊ ምድካይን መሬት። ሳዕቤናት ደርቂ ዝረኣየላ ሃገር ኰይና ኣላ፣ ምቅይያር ኩነታት

ውጥን ወፍርታት ልምዓት ሓምላይ ወፍሪ መደብ ስራሕ ክረምታዊ ማእቶት ተማሃሮ ኮማዊ ምግራብ። ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ… ዝኣመሰሉ ዘሰላስሎምን ኣብ መስርሕ ዘለዉ ዓበይቲ መደባት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምግራብ ህያው ኣብነታት ምምካት ምድካይ መሬትን ምውሓስ ናይ ሓባር መጻኢና እዩ፣

በዚ መሰረት ካብ 1992 ጀሚሩ ብኣማኢት ዝቝጸር ዲጋታትን ራህያታትን ልዕሊ 7,000 ዒላታትን ተሃኒጸን። ኣስታት 32,000 ሄክታር መሬት ተዛልዩ። ልዕሊ 200,000 ሄክታር ተሓዚኡ፣ ካብ 80 ሚልዮን ዝበዝሑ ዝተፈላለዩ መዓላታት ዘለዎም ባህርያውያንን ዘይመበቆላውያንን ፈልሲ ኣግራብ ተተኺሎም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ እውን ጸብጻባት ሚኒስትሪ ሕርሻ ይሕብሩ፣ ብተወሳኺ ንምንካይ ሃልኪ ዕንጸይቲ ዝሕግዝ ዝተመሓየሸ እቶን ዛጊት ልዕሊ 80,000 ብደቂ ኣንስትዮ ተሰሪሑ ተዘርጊሑ ኣሎ፣ ኣብ 2006 ብሃገር ደረጃ “ሓያል ጻዕሪ ንሓምላይ ወፍሪ” ተኣታትዩ ኩለን መሻርኽቲ ( ሰብ እጃም) ኣብ ምግራብ ዝዋስኣሉ ባይታ ተፈጢሩ ኣሎ፣ ዝትከል ፈልሲ ብዓይነት። ብቝጽርን ግዜን ክልካዕ ስለዝግባእ። ኩሉ ዝምልከቶ መሻርኽቲ በዚ መንፈስ’ዚ ጸቒጡ ንኽሰርሕ ይግበር ኣሎ፣ ኣብ ምትእትታው ኣማራጺ ጸዓት’ውን ብጀካቶም ዛጊት ተኣታትዮም ዘለዉ ቈጠብትን ተካእትን ጸዓት ካልኦት ምስ ኩነታትናን ዓቕምናን ዝኸዱ ኣማራጺ ጸዓት ብሰፊሑ ዝተኣታተወሉ ባይታ ንኽፍጠር ቀጻሊ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ፣ ብዘይካ’ዚ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ምምካት ምድካይ መሬትን ምዕቃብ ሓመድን ማይን ንምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ክብ ንምባልን ኣበርክቶ ኩሉ ሕብረተሰብ ንምዕዛዝ ሓያሎ መደባት ስልጠናን ጎስጓሳትን ይካየድ ኣሎ፣ ንመጻኢ ናህሩ ክውስኽ ድማ ይሕደረለይ ዘይበሃሎ ጉዳይ እዩ፣ (ብምኽንያት መዓልቲ ምምካት

ምድረበዳነት ዝተዳለወ ጽሑፍ።-ክፍሊ ሕርሻ ልምዓት ።ቤት ጽሕፈት

ውዕል ምምካት ምድረ-በዳነት ሚኒስትሪ ሕርሻ - ኣስመራ )

ኣየር። ምብራስ ኣግራብ። ምብራስ መግሃጫ። ብዘይ ጽግኢ ምሕራስ። ንመዓላ ሕርሻዊ ናውቲ መበቈላውያን ኣግራብን ቆጥቋጣትን ምብራስ ገለ ጠንቅታት ምድካይ መሬት ኣብ ሃገርና እዮም፣

ኤርትራ ኣብ ምብራቓዊ ኣፍሪቅ ዞባ

ሳህለ ሳህራ ስለ ትርከብ መብዛሕትኡ መሬታ ብነቕጽን ሓውሲ ደርቕን ዝተሸፈነ እዩ፣ እቲ ዝርከብ ዝናብ ከኣ ብዓቐኑ ዘይእኹል ብዝርጋሔኡ ከኣ ዘይሚዛናውን ዘየተኣማምንን ብምዃኑ ኩሉ ግዜ ኤርትራ ግዳይ ዋሕዲ ዝናብ ኰይና ብደርቂ ክትጥቃዕ ዝጸንሐት ሃገር እያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ክንዮ’ዚ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ምዕቃብን ውሕሉል ኣጠቃቕማ ባህርያዊ ሃብትን ድማ ዝሓየለ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ብምትእትታው ጥራይ ኢና ሃገርና ከነልምዓን ቀጻልነት ብዘለዎ መንገዲ ክንረብሓላን እንኽእል፣

ንመሬት ብዘይ ዕረፍትን ኣልማማን ሽፋን ገረብ ብምቕንጣጥን ምሕራስ ሓደ ምኽንያት ካብቶም ንኹነታት

ደርቂ ወይ ምድካይ መሬት ዘቀላጥፉ ጠንቅታት እዮም፣ እዚ ካብ ወለዶታት እናተመሓላለፈ ክመጽእ ዝጸንሐ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረኣ ዘሎ ዘይውሕሉል ኣጠቓቕማ መሬት ብፍላይ ከኣ ኣብ ከበሳን ሓውሲ ከበሳን ንፍርያምነት መሬት ኣዝዩ ኣጉዲልዎ

ይርከብ፣ መሬት ንምህብታምን ንምሕዳስን ተባሂሉ ዛጊት ዝተወሰደ ስጉምቲ ዘተባብዕ እኳ እንተኾነ። ምስቲ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ምድካይ መሬትን ሳዕቤን ደርቅን ዘይድገፍን ኣዝዩ ውሱን ብምዃኑ ግና ንመጻኢ ብዝለዓለ ናህሪ ክስረሓሉ ዝግባእ እዩ፣

ብምዕቃብ ሓመድን ማይን ።መጻኢና ምውሓስ ንዘለካ ባህርያዊ ጸጋታት ውሕስነቶምን ቀጻልነቶምን ብዘይጎድእ መንገዲ ተጠቒምካ መሬት ዝለዓለ እቶት ምኽዕባትን ብምዃኑ እዚ ማለት ድማ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ስለዝኾነ ብዙሕ ጻዕርን ዝተወሃሃደ ስራሕ ናይ ኩለን መሻርኽትን ቀጻልነት ዘለዎ ምሕደራ

መሬትን ከምዝሓትት ኩሉ ዝግንዘቦ ጉዳይ እዩ፣

ኣብ 1994 ኤርትራ ዝፈረመትሉን ብ1996 ዘጽደቐቶ ቀዳማይ ኣህጉራዊ ውዕል ምምካት ምድረ-በዳነት እምበኣር ሃንደበት ኣይነበረን፣ ነዚ ውዕል’ዚ ንምትግባርን ኣበርክቶኡ

ኣብ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን ሃገራዊ ውጥን ምምካት ምድረ-በዳነትን ምፍኳስ ሳዕቤናት ደርቅን ኣብ ጥሪ 2002 ኣዳልያ ኣብ ትግባረ ፕሮጀክትታት ትነጥፍ ኣላ፣ እንተኾነ ምስቲ ዝፍጠር ዘሎ ባህርያዊ ለውጢ ብፍላይ ከኣ ምድካይ መሬት ክዳረግ ዝኽእል ስራሓት። ባህሪ ተቖጻጺርካ ኣብ ረብሓኻ ትቕይረሉ ቴክኖሎጂ ምትእትታው ኣገዳሲ ይገብሮ፣

መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ሚኒስትሪ ሕርሻ ከም ኣካል ሃገራዊ ልምዓትን ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ምስ ካልኦት ትካላት መንግስትን መሻርኽትን ብምዃን ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ሃገርና ብዝተፈላለዩ

ምምካት ምድረበዳነትን ምዕቃብ ተፈጥሮን ንውሕስነት መጻኢና

ዕስራ ኩባንያታት ኤውሮጳ ናይ ሓባር ወፍሪ ብምክያድ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዝዝርጋሕ ኤሌክትሪክ

ጸሓያዊ ጸዓት ንምህናጽ መደባት ከም ዘውጸኣ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ፣

ህንጻ ናይቲ ዋኒን ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመት ከም ዝጅመር ዝሕብሩ ሰብ መዚ እቲ መደባት ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ከም ዝዛም የረድኡ፣ ኣብ ምድረበዳታት ሰሜን ኣፍሪቃን

ማእከላይ ምብራቕን ካብ ዝወርድ ዋዒ ጸሓይ። እቲ 0.3 ሚእታዊት ጥራይ ክእከብ እንተዝከኣል ንምልእቲ ኤውሮጳ ዝኣክል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክርከብ ከም

ዝከኣል ክኢላታት ይሕብሩ፣ብመደባት እቲ ደዘርተክ ዝተባህለ

ዋኒን ። ጸዓት ዝፈጥር ዑደት ተርባይን

ብሃፋ ከም ዝንቃሳቐስን። እቲ ሃፋ ድማ ብዋዒ ጸሓይ ካብ ዝሃፍፍ ማይ ከም ዝፍጠር ጸብጻባት የረድኡ፣ ነቲ ማይ ዘህፍፍ ዋዒ ጸሓይ ብዓበይቲ መረጼናት ከም ዝእከብን በቲ ዝፍጠር ደጕሒ ብርሃን ብዝሒ ዘለዎ ማይ ዘህፍፍ ሙቐት ከም ዝርከብ ክኢላታት የረድኡ፣

ሓያሎ መደበራት ድማ ኣብ በረኻታት ኣልጀርያ። ሞሮኮን ሊብያን ከም ዝትከሉ ተፈሊጡ ኣሎ፣

ኣብዚ ቕንያት እዚ ኣብ ከተማ ሎንደን ንምርኢት ዝቐረበት ሪቨርሳይድ ዝተባህለት ብሃይድሮጅን እትጓዓዝ መኪና ቅድሚ ሕጂ ካብ እተፈተና ትኪ ኣልቦ መካይን ዝሓሸት ክትከውን ከም እትኽእል ዘ ኢንዲፐንደንት ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ፣

እታ ክልተ ተሳፈርቲ ጥራይ እትጽዕን መኪና። ዓለም ካብ ብከላ ጠቐር መካይን ክተድሕን ተስፋ እኳ እንተተገበረላ ሃይድሮጅን ዝዕድሉ መደበራት ብዘይምዝርገሖም

ቀልጢፋ ኣብ ዕዳጋ ከም ዘይትውዕል ይግመት፣

ተጠቀምቲ ምስታ መኪና ንምልላይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን 50 መካይን ንሰባት ከም ዝዕደላ ተፈሊጡ ኣሎ፣ እተን መካይን ካብ ሓንቲ ነቝጣ መዐደሊ ሃይድሮጅን እናመልኣ ከም ዝጸንሓን ጠለብ ህዝቢ እናበዝሐ ክኸይድ እንከሎ መዓደሊ ሃይድሮጅን ድማ እናበዝሐ ክኸይድ ከም ዝኽእል ሰብ መዚ የረድኡ፣

እታ መኪና ሓንሳእ መሊኣ 384 ኪሎሜተር ክትጓዕዝ ትኽእል፣

ኤውሮጳ ካብ ጸሓይ ሰሃራ ብርሃን ትደሊ ብሃይድሮጀን እትጓዓዝ ትኪ ኣልቦ መኪና ተፈቲና ዑና ዝወረሱ ኣትማን

Page 11: Haddas Eritrea - June 19, 2009

Hª] „íXqV 19 [{ 2009 161616161111

ኤርምያስ ገብረልዑል

ስፖርታዊ ውድድራት ብምኽንያት መዓልቲ ስፖርታዊ ውድድራት ብምኽንያት መዓልቲ ሰሰማማእታእታትት

ፈደረሽን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት። ካብ 6 ሰነ ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ 8 ጋንታታት ደቂ ተባዕትዮን 5 ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮን ከካይዶ ዝጸንሐ ግጥማት ንጽል ኣውዲቕካ ምሕላፍ። ትማሊ ብዓወት ጋንታታት ገዛባንዳን ሓሬናን ተዛዚሙ፣ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ

ዝተኻየዱ ግጥማት ፍጻመ። ካብ ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ ኣዱሊስን ገዛባንዳን ኢየን ዋንጫ ንምዕታር ገጢመን፣ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት። ዋንጫ ናጽነት ዝዓተረት ኣዱሊስ። ኣብዚ ግጥም ዝሓሸ ውጽኢት ከተመዝግብ ግምት ብዙሓት ሰባት ነይሩ፣ ይኹን እንበር። ኣዱሊሳውያን ነቲ ኣብ ውድድር ዋንጫ ናጽነት ኣብ ልዕሊ ገዛባንዳ ዘመዝገባኦ ውጽኢት። ትማሊ ክደግማኦ ኣይከኣለን፣ ገዛባንዳ ኣብ ሰለስቲኡ እብረ ጸወታ ምሉእ ብምሉእ ዓብሊለን እየን ተራእየን፣ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ሻምፕዮና።

ብኣዱሊስ ተበሊጻ ካልኣይቲ ዘላን ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ንጋንታ ኣልሓሽሚ

ሓሬናን ገዛባንዳን ተዓዊተንሓሬናን ገዛባንዳን ተዓዊተን3-1 ዘሰነፈትን ገዛባንዳ። ኣብቲ ናይ ትማሊ ጸወታ 25ብ19። 25ብ20 ከምኡ ድማ 25ብ9 ብዝኾነ ውጽኢት ኢያ 3ብ0 ንኣዱሊስ ቀጺዓ ዋንጫ መዓልቲ ሰማእታት ዓቲራ፣ኣብ ተመሳሳሊ ግጥም ደቂ ተባዕትዮ።

መሳጢን ልዑል ስፖርታዊ ህልኽን ዘርኣያ ጋንታታት በኒፈርን ሓሬናን ኢየን

ዋንጫ መዓልቲ ሰማእታት ንምልዓል ዝተጠማጠማ፣ ሓሬና ድማ ብላቤላ ንበኒፈር 3ብ2 ብምርታዕ ዋንጫ ኣልዓለት፣ ተጻወትቲ ጋንታታት ሓሬናን በኒፈርን

ቆማታት። ብተሞክሮ እውን ዝበላለጹ ብዘይምንባሮም ‘ውሃ’ ዘበለ ጸወታ ከንጸባርቑ ተራእዮም፣ ብተወሳኺ።

ዘርኣይዎ ስፖርታዊ ምትህልላኽ ዝነኣድ ብምንባሩ። ንተዓዘብቲ ቃንዮም ካብ ሜዳ ክወጹ ተራእዮም፣ ኣብ ግጥም ዋንጫ ናጽነት። ብጋንታ

ኣቡሰላማ ተረቲዓ ዋንጫ ዘማዕደወት በኒፈር። ተጻወትታ ነቲ ካብ ተጻወትቲ ሓሬና ንዝፍኖ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣብ ምምካን

ዘርኣይዎ ብቕዓት ሕልፊ ነይርዎ፣ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ሻምፕዮና

ሓደ ነጥቢ ጥራይ ብምጥፋእ መሪሕነት ሒዛ ዘላ ሓሬና። ኣብ ናይ ትማሊ ጸወታኣ 25ብ17። 20ብ25። 25ብ15። 23ብ25 ብዝኾነ ውጽኢት ምስ በኒፈር ናብ ላቤላ ከተምርሕ እንከላ። ኣብ መወዳእታ 15ብ13 ብምርታዕ እያ ነታ ክብርቲ ዋንጫ ከተልዕል በቒዓ፣ ኣብ ውድድር ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ።

ምኩራት ተጻወትቲ ዝሓዘት ኣዱሊስ ንጋላ ነፍሒ ኣብ ናይ ፍርቂ ፍጻሜ 3-0 ረቲዓ ናብ ፍጻመ ምሕላፋ ይዝከር፣ብተመሳሳሊ። ጋንታ ሓሬና ንመኸተ 3-2

ብምስዓር ኢያ ናብቲ ናይ መዛዘሚ ግጥም ደቂ ተባዕትዮ ሓሊፋ፣ዕዉታት ጋንታታት። ዝተዳለወለን ናይ

ዋንጫን መዳልያን ሽልማታት ካብ ኢድ ክብሪ ዕዱማት ናይቲ ዕለት ተቐቢለን፣ውድድር መዓልቲ ሰማእታት ኵዕሶ

መርበብ። ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ ኣቶ ሙሳ ዑመር እናተመወለ ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ፣

** ** **

ድሮግባን ቦዚንግዋን ተቐጺዖም

ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ንኣጥቃዒ ክለብ ቸልሲ ድሮግባ ንሽዱሽተ ጸወታታት ከምኡ ድማ ንወዲ ጋንታኡ ጆስ ቦዚንግዋ ንኣርባዕተ ግጥማት ከምዝቐጽዖም ኣፍሊጡ፣ዝሓለፈ ወርሒ። ቸልሲ። ብባርሴሎና

ኣብ ዝተሳዕረትሉ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ። ምስ ዳኛ ዝተጓራፈጠ ድሮግባ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ግጥም ንማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ዝዘለፈ ቦዚንግዋ። ጋንታኦም ኣብ ካልኣይ እግሪ ግጥም 1ብ1 ብምፍልላያ ካብቲ ውድድር ክትግለፍ ምግዳዳ ይዝከር፣ ብዘይካ’ዚ እታ እንግሊዛዊት ክለብ በቲ ኩነታት 100,000 ዩሮ ተቐጺዓ ኣላ፣ ተጻዋታይ ባርሴሎና ኣንድሬ ኢነስታ

ብዘመገባ ሸቶ ማዕረ ክትፈላለ ድሕሪ ምግዳዳ ካብ ውድድር ዝተገለፈት ቸልሲ። ሓደ ሓደ ተጻወትታ ነቲ ግጥም ንዝመርሐ ማእከላይ ዳኛ ቶም ሀኒን ክጸርፉ ተሰሚዖም እዮም፣ ካብኡ ሕሊፉ እውን እቶም ኣባላት ናይታ እንግሊዛዊት ክለብ ምስ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘካየድዎ ርክባት ነቲ ዳኛ ‘ሰራቒ’ ክብልዎ ተሰሚዖም እዮም፣ እዚ ድማ። ደገፍቲ ክለብ ቸልሲ ነቲ እቲ ዳኛ ከፈራርሁ ከምዝሓገዘ ጸብጻብ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ይገልጽ፣ድሮግባ። ጽባሕ እቲ ግጥም የቕሬታ

እኳ እንተሓተተ። እቲ ማሕበር ግና ነቲ ጉዳይ ኣጻርዪ መቕጻዕቲ ከምዝብይን ኣፍሊጡ ምንባሩ ይፍለጥ፣እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ። ጀርመናዊት

ክለብ ባየር ሙኒክ ንቦዚንግዋ ክትገዝእ ምስ ክለብ ቸልሲ ዝርርብ ምጅማራ ገሊጻ፣ኣብ መስመር ምክልኻል ሃጓፍ

ዘለዋን ተጻወትቲ ድማ ሃሰው ትብል ዘላን ባየር ሙኒክ። ቸልሲ ንቦዚንግዋ ክትሸይጥ መደብ ከምዘለዋን እቲ መስርሕ ምስግጋር ድማ ኣብ መወዳእታ ምብጻሑን ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኣ ትሕብር፣

ሰሜን ኮርያ ኣብ ግጥም ዋንጫ ዓለም

ኣብ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ግኑን ስም ዘይጸነሓ ሰሜን ኮርያ። ብቕድሚ ትማሊ ምስ ስዑድ ዓረብ 0ብ0 ብምፍልላያ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ምስታፋ ኣረጋጊጻ፣ኣብ ግጥም ዋንጫ ዓለም 1966

ተሳቲፋ ዝነበረት ሰሜን ኮርያን ቀንዲ መቐናቕንታ ዝኾነት ደቡብ ኮርያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ውድድር ክህልዋ እየን ማለት እዩ፣

ቨርማለን ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ እዩ

ተኸላኻሊ ሆላንዳዊት ክለብ ኣያክስ - ቶማስ ቨርማለን። ምስ እንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል ንኽውድእ ሎሚ ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ስካይ ስፖርትስ ገሊጹ፣ሓያለ ማዕከናት ዜና። ቨርማለን

ምስ ኣርሰናል ከምዝወደአ እኳ እንተገለጻ። ኣሰልጣኒ ኣርሰን ቨንገር ግና ብዛዕባ እቲ መስርሕ ምስግጋር ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ

ምጽናሑ ይፍለጥ፣ ወኪል ናይቲ በልጁማዊ ተጻዋታይ ከምዝገለጾ። ቨርማለን ብ10 ሚልዮን ፓውንድ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ውዕል ምስታ እንግሊዛዊት ክለብ ምስምማዑ ሓቢሩ ኣሎ፣

ጀኒንዮ ናብ ኣል ቓራፋ ናይ ቐጠር ተሰጋጊሩ

ብራዚላዊ ተጻዋታይ ክለብ ሊዮን ጀኒንዮ። ምስ ቐጠራዊት ክለብ ኣል ቓራፋ ንኽልተ ዓመታት ክጻወት ምስምማዑ ተገሊጹ፣ ወዲ 34 ዓመት ጀኒንዮ። ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ምስግጋር ቁጽሪ 5 ማልያ ከምዝወዲ ተሓቢሩ፣እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ። ፕረዚደንት

ፈረንሳዊት ክለብ ሊዮን ኣውላስ። ጋንታኡ ንበንዘማ ‘ዝኣክል ገንዘብ ምስ እትረክብ’ ከምእትሸጦ ገሊጹ፣መንእሰይ ኣጥቃዒ ጋንታ ሊዮን - ካሪም በንዘማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ክለባት ኢንተርን ሪያል ማድሪድን ተደጋጋሚ ጻውዒት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ፣ ብዘይካ’ዚ። ንኣዒንቲ ሓደ ሓደ ዓበይቲ ክለባት እንግሊዝ እውን ስሒቡ ምጽናሑ ጸብጻባት የረድኡ፣ብመሰረት መራኸቢ ብዙሃን ፈረንሳ።

ሊዮን ኣብ ምስግጋር በንዘማ ኣስታት

40 ሚልዮን ዩሮ እትኸፍላ ክለብ ምስ እትረክብ ዓይና ከምዘይትሓሲ ይሕብራ፣ኣብ 51 ጸወታታት ላዕለዋይ

ዲቪዥን ፈረንሳ ንሊዮን 31 ሸቶታት ዘቑጸረ በንዘማ። ጋንታኡ ንግጥም ክለባት ፈረንሳ ክትዕብልል ምኽኣላ ይፍለጥ፣ ይኹን እንበር። ሊዮን ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት (ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ምዃኑ እዩ) ዋንጫ ክለባት ፈረንሳ ክትዓትር እኳ እንተዘይከኣለት። በንዘማ ግና ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት 23 ሸቶታት ብምቑጻር ኣብ ጉዕዞኣ ዕዙዝ ኣበርክቶ ክገብር ክኢሉ እዩ፣

ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ቢርሚንግሃም

ሻምፕዮን ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ዩናይትድ። ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ኣብ ዝካየድ ግጥም ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ፈላሚ ጸወታኣ ኣንጻር ቢርሚንግሃም ክኸውን እዩ፣ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ካልኣይቲ

ዝወጸት ሊቨርፑል ናብ ሜዳ ቶተንሃም ተጓዒዛ ፈላሚ ጸወታኣ ከተካይድ ኢያ፣ ብሓድሽ ኣሰልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ እትእለ ዘላ ቸልሲ ድማ ኣብ ሜዳኣ ንሃል ሲቲ ከተአንግዳ እያ፣ ኣርሰናል ድማ ናብ ኤቨርተን ተጓዒዛ እተካይዶ ግጥም ፈላሚ ግጥም ናይታ ለንደናዊት ክለብ ኽከውን እዩ፣

** ** **

ዜና ወጻኢዜና ወጻኢ

ቶማስ ቨርማለንቶማስ ቨርማለን

Page 12: Haddas Eritrea - June 19, 2009

12ሓዳስ ኤርትራ 19 ሰነ 2009

በዓል ተራ ቤት መድሃኒት።- ዕለት ኣድራሻ ቍ .ስልኪ

ቤ/መ/መ ገነት 19/06/09 ጐ. ኣፍዓበት ቁ. 209። ፊት ሆስፒታል ዕዳጋ ሓሙስ 125154

ፋርማሲ ቍ.1 ብዘይካ’ቲ መዓልታዊ እትህቦ ኣገልግሎት ምሉእ ለይቲ’ውን ክፍት’ቲ ኢያ፣ ኣድራሻ። ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 02 ጐ. ናቕፋ ቍ.1። 127565

ከዳሚ ሰራዊት ስርዓት ወያነ ብወራር ሒዝዋ ኣብ ዝርከብ ከተማ በለድወይን ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ብስም “መሰጋገሪ መንግስቲ” ናብ ህዝቢ ሶማል ዝተስገደደ ጉጅለ ዑመር ሓሺ ዓደን ብተቓለስቲ ሶማላውያን ትማሊ ከምእተቐንጸለ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ፣

ኣብ ሶማል። ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ “መሰጋገሪ መንግስቲ” ተቐንጺሉ

ዑመር ሓሺ ዓደን። ኣብ ከተማ በለድወይን ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ከሎ’ዩ ብዝተጻወደሉ ቦምብ ተቐቲሉ፣

በቲ መጥቃዕቲ ብዘይካ’ዚ። መንነቶምን ደረጃኦምን ብንጹር ዘይተገልጹ ሓለፍቲ ናይቲ ጉጅለ ምስኡ ብሓባር ከምእተቐንጸሉ ናይ

ዓይኒ መሰኻክር ገሊጾም፣ተቓለስቲ ሶማል ብረቡዕ

ንግሆ’ውን ኮሎኔል ዓሊ ሰይድ ዝተባህለ። ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሞቓድሾ ዝርከቦም 25 ሰባት ከምዝቐተሉ ይፍለጥ፣

እቶም ብጉልባብ ምዕቃብ ሰላም ናብ ሶማል ኣትዮም ዘለዉ ወተሃደራት ዩጋንዳ’ውን ከም ግብረ-መልሲ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ብዝፈጸምዎ ደብዳብ ሞርታር ብውሕዱ ምእመናን ዝርከብዎም 17 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምንጭታት ዜና ይሕብሩ፣

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብ ሶማል ተጎሃሂሩ ዘሎ ሓያል ኵናት ብውሕዱ ሂወት 250 ሰባት ከም ዝጠፍአን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማላውያን ድማ ካብ መነባብሮኦም ከምእተመዛበሉን ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት፣

ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ጫካ። ካብ ኣብ ካልእ ክፍለ-ዓለም ዝርከብ ተመሳሳሊ ባህርያዊ ጸጋ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ይበርስ ከምዘሎ ተገሊጹ፣

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ ዱር። እቲ ኣስታት 2% ጥራይ ሓለዋ ከም ዝግበረሉን እዚ ድማ ኣብ ኣማዞንን ኤስያን ምስ ዝርከብ ጫካታት ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ከምዝኾነን ተገሊጹ፣

ጫካታት ኣፍሪቃ። ሓለዋ ተገይሩሉ ከምቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝርከብ ዱር ኣማዞን ዘሎዎ ደረጃን ክበጽሕ ኣስታት 260 ዓመታት ክወስደሉ ምዃኑን ኣብዚ ሎሚ እዋን ግቡእ ሓለዋ ይግበረሉ ብዘይምህላዉ ግን እቲ ዝተጠቕሰ ዓመታት ኣብ ግምት ከምዘይኣቱን ክኢላታት ገሊጾም፣

ጫካታት ኣፍሪቃ ከምቲ ናይ

ኣፍሪቃ። ብምብራስ ኣግራብ ኣብ ቅድሚት ትስራዕካልኦት ኣህጉር ዋና ዘይብሎም ብምዃኖም ብዓበይቲ ኩባንያታት ከይተረፈ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከምዝቑረጹን ከምዝበርሱን ይግለጽ፣

ብመጠን’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝቝረጽ ኣግራብ። ኩነታት ምድረበዳነት የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ድማ ክኢላታት የተሓሳስቡ፣

ኣብ ደቡብ ኣመሪካ። ብፍላይ ድማ ኣብ ብራዚል ዝርከብ ጫካታት’ውን ከምቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኽሰት ደኣ ኣይኹን’ምበር ሰፊሕ ዘይሕጋዊ ምብራስ የጋጥም ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ፣

ካሮት ምምጋብ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት መንሽሮ ክኸላኸል ከምዝኽእል ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ፣

በሲሉ ዝብላዕ ካሮት። ብፍላይ ከይተመትረ እንተተጠጢቑ። ሕማም መንሽሮ ኣብ ምክልኻል ካብቲ ተመቲሩ ዝጥጠቕ ካሮት ብ25% ከምዝሓይሽ ኣብሪሁ፣

ከይተመትረ ዝጥጠቕ ካሮት ዝበዝሐ “ፋልካሪኖል” (falcarinol) ዝተባህለ ጸረ-መንሽሮ ባእታ ከም ዝውንን ብተወሳኺ ተሓቢሩ፣

ብብዝሒ “ፋልካሪኖል” ዘለዎ መግቢ ኣብ ልዕሊ ዝተቐለባ ኣናጹ ብዝተገብረ መጽናዕቲ መሰረት። እተን ኣናጹ ውሑድ ዘይንቡር ዕብየት ዋህዮ (tumours) ከምዘርኣያ ተሓቢሩ፣

ከይተመትረ ዝጥጠቕ ካሮት ብተወሳኺ። ምቍር ከምዝኾነን ዘለዎ ትሕዝቶ ሽኮር ድማ ማይ ከምዘይጎድልን እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ፣

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣቪግዶር ሊበርማን። ሃገሩ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ካልእ ከባቢታት ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤምን እትሃንጾ ዘላ ሓደስቲ ሰፈራታት ክትቕጽሎ ምዃና ገሊጹ፣

ሊበርማን። ምስ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሂላሪ ክሊተን ኣብ ዋሽንግተን ተራኺቡ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን። እስራኤል ምህናጽ ሓደስቲ ሰፈራታት ኣይሁድ ምሉእ ብምሉእ ከተደስክሎ በታ ብዓልቲ ስልጣን ንዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺግዎ

ኣሎ፣እንተኾነ ሂላሪ ክሊንተን።

ምድስካል ምህናጽ ሰፈራታት ኣይሁድ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ኣብ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላም ኪበጽሑ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ጠቒሳ። ኣመሪካ ንምህናጽ ሓደስቲ ሰፈራታት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብትሪ ከምእትቃወሞ

እስራኤል። “ምስራሕ ሰፈራታት ክቕጽሎ’የ”

ሩስያን ቻይናን ብሃገራዊ ባጤራአን ክነግዳ ይረዳድኣ

ፕረዚደንት ሩስያ ድሚትሪ መድቨደቭን ቻይናዊ መዘንኡ ሁ ጂንታዎን ኣብ ምድንፋዕ ክልቲኣዊ ቍጠባዊ ዝምድናን ኣህጉራዊ ጉዳያትን ዘተኮረ ዘተ ድሕሪ ምክያዶም። ሃገራዊ ባጤራታቶም ኣብ መስርሕ ንግዳዊ ልውውጥ ዝያዳ ክጥቀሙ ተረዳዲኦም፣

ሩብል ዝተባህለ ባጤራ ሩስያን ዩዋን ናይ ቻይናን ኣብ መጻኢ ብደረጃ ዓለም ልዑል ተቐባልነት ረኺቦም። ኣብ ኣህጉራዊ ንግዳዊ ልውውጥ ከገልግሉሉ ዘኽእል

መገዲ ኣብ ምንዳይ ከምዝሰርሑ ድማ ሓቢሮም፣

ብውህሉል ናይ ወጻኢ ሸርፊ። ኣሰር ቻይናን ጃፓንን ተኸቲላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትስራዕ ሩስያ። ኣብ ባጤራ ዶላር ዝጸንሐ ጽግዕተኛነት ተሪፉ ብደረጃ ዓለም ተቐባልነት ዘለዎም ሓደስቲ ኣህጉራውያን ባጤራታት ኪተኣታቶ ብተደጋጋሚ ኪትጽውዕ ጸኒሓ’ያ፣

ክልቲኦም መራሕቲ። ሃገራቶም ኣብ ምምዕባል ፕሮጀክትታት ባህርያዊ ጋዝን

ከሰልን ንምትሕግጋዝን ኣብ ጽላት ንኣሽቱ ኢንዱስትሪ። መጐዓዝያ። ሕርሻን ጸዓትን ሓባራዊ ወፍሪ ከካይዳን ዘኽእል ናይ ምርድዳእ መዘክር ከቲሞም፣

ኣብ መንጎ ሩስያን ቻይናን ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ንምድንፋዕ። ምጥቃም ሃገራውያን ባጤራታት ሩብልን ዩዋንን ክዓቢ’ውን ተሰማሚዖም፣

ብሰንኪ ዓለማዊ ፋይናንሳውን ቍጠባውን ቅልውላው ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ንግዳዊ ዝምድና ሩስያን ቻይናን ኣብዚ እዋን’ዚ ይበራበር ከምዘሎን ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2009 ጥራይ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ 10.7 ቢልዮን ዶላር ንግዳዊ ልውውጥ ከምዘተኻየደን ጸብጻባት የረድኡ፣

በዚ ድማ ቻይና ንጀርመንን ነዘርላንድስን ተኪኣ። ዝዓበየት መሻርኽቲ ንግዲ ሩስያ ኮይና ከምዘላ እቶም ጸብጻባት ብተወሳኺ የመልክቱ፣

ሩስያ። ምህናጽ ናይቲ ናብ ሃገራት ኤስያ ትዝርግሖ ዘላ ሻምብቆታት ነዳዲ ዝመጽእ ዓመት ምስ ተዛዘመ። ብዝሒ ናብ ቻይና ክትልእኾ ዝጸንሐት ነዳዲ ብዝለዓለ ከተዕብዮ መደብ ስለዘለዋ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሓያል ንግዳዊ ልውውጥን ቍጠባዊ ዝምድናን ከም ዝምስረት ክኢላታት ስነ-ቍጠባ

ከምዝገለጸትሉ ተፈሊጡ፣ኣቪግዶር ሊበርማንን ሂላሪ

ክሊንተንን ኣብ ጉዳይ ምህናጽ ሰፈራታት ኣይሁድ ኣብ ስምምዕ ኪበጽሑ ዘይምኽኣሎም። ደስኪሉ ንዘሎ መስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ (ኣብ መንጐ እስራኤልን ፈታሕን ዝግበር ዝርርብ) ንምብርባር ክካየድ ንዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ብኣሉታ ከምዝጸልዎ ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ከባቢ ይገልጹ፣

እቲ ኣብ መንጎ ኣቪግዶር ሊበርማንን ሂላሪ ክሊንተንን ዝተራእየ ዘይምርድዳእ። ነቲ ኣብ

መንጎ ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካን ሓድሽ መንግስቲ እስራኤልን ፈኸም ዝብል ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ነዳዲ ክውስኸሉ ከም ዝኽእል’ውን እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ የረድኡ፣

ሊበርማን ኣዝዩ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓረብ ንዘለዎ ጽልኢ ብቕሉዕ ዝዛረብ ፖለቲከኛ ምዃኑ ይንገረሉ፣