3 3.50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_28022014.pdf · 2014. 2. 27. · መበል 23 ዓመት...

12
መበል 23 ዓመት ቁ.181 28 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ 2014 ዓርቢ ገጽ 11 ስፖርታዊ ውድድራት ፈስቲቫል ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ገጽ 3 ሽ ኮ ር ገጽ 4 ኣብ ሲቪላዊ ጉዳይ ምስክር ተቐዪዱ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ይኽእል ዶ? ገጽ 8 ሕማም ርእሲ ገጽ 5 ኣጋታ ክሪስት ኣብ ከተማ ኣስመራ - ከባቢ ማይ ጭሆት ኣብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ዝርአ ዘሎ ኰለልን ዘይስሉጥነት ስራሕን ቅልጡፍ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ከፈልቲ ግብሪ ዞባ ማእከል ጸዊዖም። ኣቶ ዮውሃንስ ሓደራን ወይዘሮ ኣዜብ ሃብተን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብዝደጋገም ምኽንያታት ተገልገልቲ ንነዊሕ ግዜ ክመላለሱ ምርኣይ ቅቡል ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ እቲ ኩነታት ምኽኑይ ኮይኑ ከምዘይስምዖም ገሊጾም። “ዓመታዊ ግብሪ ዝኽፈለሉ ግዜ ክሳብ 28 ለካቲት ስለዝኾነ፡ ስሉጥነት የለን - እቲ ደረት ግዜ ድማ የብቅዕ ኣሎ። ናይቲ ምድንጓይ ተሓታቲ ግን መን’ዩ?” ዝበሉ ኣቶ ስዑድ ያሕያን ኣቶ ሓምድ መሓመድ እድሪስን ድማ፡ ህዝቢ ዕዳኡ ከራግፍ - መንግስቲ ኰለልን ዘይስሉጥነት ስራሕን ፍታሕ ክናደየሉ ከፈልቲ ግብሪ ጸዊዖም ድማ እቶቱ ከኻዕብት ምእንቲ፡ ዕቱብ ምቊጽጻር የድሊ ከምዘሎ ኣብሪሆም። ኣቶኣብራሃምገብረእግዝኣብሄርን ወይዘሮ ሓጎሳ ረዳእን ብወገኖም፡ “ዕዳና ተቐበሉና” ንዝብሉ ተገልገልቲ ኣደዳ ምምልላስን ድኻምን ክትገብር ዓገብ ዘብል ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ንዘሎ ዘይስሉጥነት ንምፍታሕ፡ እቲ ትካል ዘለዎ ጸገም ኣለልዩ ዝፍወሰሉ መንገዲ ከናዲ ተላብዮም። “ዕዳና ከይከፈልና እቲ ናይ ግዜ ገደብ ምእካሉ ብናትና ጸገም ዘይኮነስ፡ ብጸገማት ናይቲ ትካል’ዩ” ዝበሉ ኣቶ ኣብርሃም ገብረመስቀልን ኣቶ ኣሕፈሮም የማነን ድማ፡ ምሉእ መዓልቲ ዘይምስርሑ’ውን ተደራቢ ጸገም ይኾኖም ከምዘሎ ኣረዲኦም። ነቲ ብህዝቢ ዝቐረብ ዘሎ መረረ ብዝምልከት ንሓላፊ ናይቲ ቤት- ጽሕፈት ኣቶ የማነ በራኺ ኣብ ዝተወከሰትሉ፡ ሓበሬታ ክህባ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ፡ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ዞባ ማእከል ሓቢራ። ብዮናታን የዕብዮ ብውልቀ ኣውፋሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ዝተሃንጸ ዘመናዊ ሆቴል፡ ጽላት ቱሪዝምን ቱሪዝማዊ ኣገልግሎትን ንምምዕባል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኣብ ምድንፋዕ ዝህልዎ ተራ ብቐሊል ከምዘይግመት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ ኣውረልዮ ጃኮሚኖ ገሊጹ። ኣብ ስነ-ስርዓት ምምራቕ ናይቲ ብ14 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸ ሆቴል ኣብ ዘስመዖ ቃል ኣቶ ኣውረልዮ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ባረንቱ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረት ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ምቅላል ኣስተዋጽኦ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምምዕራግ ከተማ ባረንቱ’ውን ተራ ከምዝህልዎ ገሊጹ። ኣብ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ኣቶ ኣሚነ ወልደኣብ ድማ፡ እቲ ሆቴል ንዝጸንሐ ብቕዓትን ደረጃን ሆቴላት ክብ “ሓድሽ ዘመናዊ ሆቴል ተራኡ ኣብ ምምዕባል ቱሪዝም ቀሊል ኣይኮነን” ኣማሓዳሪ ን/ዞባ ባረንቱ ከም ዘብል ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ብምግላጽ፡ ወናኒ ሆቴል - ብመሰረት ኣትይዎ ዘሎ መብጽዓ፡ ንበጻሕቲ ዝለዓለ ኣተኲሮ ብምሃብ፡ ብቑዕ፡ ጽፉፍን ዝተማልአን ኣገልግሎት ከቕርብ ኣዘኻኺሩ። እቲ “ሆቴል ሽሪምፕ” ዝተሰምየ ሆቴል፡ 13 ክፍልታት ምስ ምሉእ ኣገልግሎቱ፡ ክልተ ናይ ክብሪ ክፍልታት፡ ባር ምስ ምሉእ ኣገልግሎቱ፡ መመገቢ ክፍሊ፡ ክልተ ናይ ሱፐር ማርኬት ክፍልታት ዘማልአ ከምዝኾነ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። ወናኒ ናይ’ቲ ሆቴል ኣቶ ብርሃነ በርሀ፡ ብምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ንዝገብረሉ ምትብባዕን ደገፍን ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝነጥፋ ሃገራውያን ኩባንያታት ህንጻ፡ ባንክ ልምዓትን ወፍሪን ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ትካላትን ኣካላትን ንዘርኣይዎ ምትሕብባር መጒሱ።

Upload: others

Post on 27-Jan-2021

3 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

  • መበል 23 ዓመት ቁ.181 28 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

    2014

    ዓርቢ

    ገጽ 11ስፖርታዊ ውድድራት

    ፈስቲቫል ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን

    ገጽ 3

    ሽ ኮ ር

    ገጽ 4ኣብ ሲቪላዊ ጉዳይ

    ምስክር ተቐዪዱ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ይኽእል ዶ?

    ገጽ 8ሕማም ርእሲ

    ገጽ 5

    ኣጋታ ክሪስት

    ኣብ ከተማ ኣስመራ - ከባቢ ማይ ጭሆት ኣብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ዝርአ ዘሎ ኰለልን ዘይስሉጥነት ስራሕን ቅልጡፍ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ከፈልቲ ግብሪ ዞባ ማእከል ጸዊዖም።

    ኣቶ ዮውሃንስ ሓደራን ወይዘሮ ኣዜብ ሃብተን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብዝደጋገም ምኽንያታት ተገልገልቲ ንነዊሕ ግዜ ክመላለሱ ምርኣይ ቅቡል ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ እቲ ኩነታት ምኽኑይ ኮይኑ ከምዘይስምዖም ገሊጾም።

    “ዓመታዊ ግብሪ ዝኽፈለሉ ግዜ ክሳብ 28 ለካቲት ስለዝኾነ፡ ስሉጥነት የለን - እቲ ደረት ግዜ ድማ የብቅዕ ኣሎ። ናይቲ ምድንጓይ ተሓታቲ ግን መን’ዩ?” ዝበሉ ኣቶ ስዑድ ያሕያን ኣቶ ሓምድ መሓመድ እድሪስን ድማ፡ ህዝቢ ዕዳኡ ከራግፍ - መንግስቲ

    ኰለልን ዘይስሉጥነት ስራሕን ፍታሕ ክናደየሉ ከፈልቲ ግብሪ ጸዊዖም

    ድማ እቶቱ ከኻዕብት ምእንቲ፡ ዕቱብ ምቊጽጻር የድሊ ከምዘሎ

    ኣብሪሆም።ኣቶ ኣብራሃም ገብረእግዝኣብሄርን

    ወይዘሮ ሓጎሳ ረዳእን ብወገኖም፡ “ዕዳና ተቐበሉና” ንዝብሉ

    ተገልገልቲ ኣደዳ ምምልላስን ድኻምን ክትገብር ዓገብ ዘብል ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ንዘሎ ዘይስሉጥነት ንምፍታሕ፡ እቲ ትካል ዘለዎ ጸገም ኣለልዩ ዝፍወሰሉ መንገዲ ከናዲ ተላብዮም።

    “ዕዳና ከይከፈልና እቲ ናይ ግዜ ገደብ ምእካሉ ብናትና ጸገም ዘይኮነስ፡ ብጸገማት ናይቲ ትካል’ዩ” ዝበሉ ኣቶ ኣብርሃም ገብረመስቀልን ኣቶ ኣሕፈሮም የማነን ድማ፡ ምሉእ መዓልቲ ዘይምስርሑ’ውን ተደራቢ ጸገም ይኾኖም ከምዘሎ ኣረዲኦም።

    ነቲ ብህዝቢ ዝቐረብ ዘሎ መረረ ብዝምልከት ንሓላፊ ናይቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ የማነ በራኺ ኣብ ዝተወከሰትሉ፡ ሓበሬታ ክህባ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ፡ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ዞባ ማእከል ሓቢራ።

    ብዮናታን የዕብዮ

    ብውልቀ ኣውፋሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ዝተሃንጸ ዘመናዊ ሆቴል፡ ጽላት ቱሪዝምን ቱሪዝማዊ ኣገልግሎትን ንምምዕባል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኣብ ምድንፋዕ ዝህልዎ ተራ ብቐሊል ከምዘይግመት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ ኣውረልዮ ጃኮሚኖ ገሊጹ።

    ኣብ ስነ-ስርዓት ምምራቕ ናይቲ ብ14 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸ ሆቴል ኣብ ዘስመዖ ቃል ኣቶ ኣውረልዮ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ባረንቱ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረት ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ምቅላል ኣስተዋጽኦ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምምዕራግ ከተማ ባረንቱ’ውን ተራ ከምዝህልዎ ገሊጹ።

    ኣብ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ኣቶ ኣሚነ ወልደኣብ ድማ፡ እቲ ሆቴል ንዝጸንሐ ብቕዓትን ደረጃን ሆቴላት ክብ

    “ሓድሽ ዘመናዊ ሆቴል ተራኡ ኣብ ምምዕባል ቱሪዝም ቀሊል ኣይኮነን” ኣማሓዳሪ ን/ዞባ ባረንቱ

    ከም ዘብል ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ብምግላጽ፡ ወናኒ ሆቴል - ብመሰረት ኣትይዎ ዘሎ መብጽዓ፡ ንበጻሕቲ ዝለዓለ ኣተኲሮ ብምሃብ፡ ብቑዕ፡ ጽፉፍን ዝተማልአን ኣገልግሎት ከቕርብ ኣዘኻኺሩ።

    እቲ “ሆቴል ሽሪምፕ” ዝተሰምየ ሆቴል፡ 13 ክፍልታት ምስ ምሉእ ኣገልግሎቱ፡ ክልተ ናይ ክብሪ ክፍልታት፡ ባር ምስ ምሉእ ኣገልግሎቱ፡ መመገቢ ክፍሊ፡ ክልተ ናይ ሱፐር ማርኬት ክፍልታት ዘማልአ ከምዝኾነ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

    ወናኒ ናይ’ቲ ሆቴል ኣቶ ብርሃነ በርሀ፡ ብምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ንዝገብረሉ ምትብባዕን ደገፍን ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝነጥፋ ሃገራውያን ኩባንያታት ህንጻ፡ ባንክ ልምዓትን ወፍሪን ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ትካላትን ኣካላትን ንዘርኣይዎ ምትሕብባር መጒሱ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 28 ለካቲት 2014 - ገጽ 2

    \\\\\\\\\\\\\

    ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

    [email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

    ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

    ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

    ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

    ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

    መዓልታዊት ጋዜጣ

    ኤደን ዘርእጋብርየውሃንስ ሃይለምስጋና ተዓገስ

    ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

    ሳምራዊት መለስ

    ለይ-ኣውት

    ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝርከቡ “ብቻት ሩም ፓልቶክ ኣይንፈላለ 9” ዝፍለጡ ብመርበብ ሓበሬታ ዝነጥፉ ኤርትራውያን፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ክገብርዎ ዝጸንሑ ኣበርክቶ፡ ራብዓይ ፕሮጀክት ብምክያድ ንመናበዪ ስድራ-ስውኣት ዝውዕል 8 ሽሕን 759 ዩሮን 3 ሽሕን 635 ዶላርን ከምዘወፈዩ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ

    ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝነብሩ ዜጋታት ንስድራ ስውኣት ገንዘብ ወፍዮም

    ድሕነትን ሓቢሩ።

    እቶም ነቲ ወፈያ ዝገበሩ ዜጋታት፡ ስድራ ሰማእታት ይኹን ዘኽታማት ቈልዑ ምሕጋዝ ንመንግስቲ ጥራይ ዘይግደፍ፡ ኩሉ ዜጋ በብዓቕሙ እጃሙ ከበርክተሉ ዝግባእ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎ ኣረጋጊጾም።

    ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ዝርከብ ጎቦ ፎርቶ ንምግራብ፡ ብምውህሃድ ምምሕዳርን ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻን ንኡስ ዞባ መንደፈራ ንዝወጸ መደብ ንምዕዋት፡ ብምትሕብባር ህዝብን ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊትን ወፈራ ማእቶት ይካየድ ኣሎ።ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን

    ኣቶ መኮነን ፍስሃየ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ክግረብ

    መንደፈራ፡ ብምትሕብባር ህዝብን ህዝባዊ ሰራዊትን ማእቶት ይካየድ ኣሎ

    ዝተወሰነ ቦታ 398 ሜተር ኲብ ከትሪ፡ 21 ሜተር ኲብ ጋብዮን ከምኡ’ውን 68 ኪሎ-ሜተር ቅናታውን መትረባውን ዛላ ክስራሕ መደብ ከምዝወጸ ብምብራህ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ዓዲ-ወግሪ፡ ዓዲ-ሓረ፡ ዓዲ-ባሪን ሓድሽ-ዓድን ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ብምትሕብባር ኣብ ሰሙን 3 መዓልቲ እናወፈሩ ነቲ ስራሕ ከሳልጥዎ ጀሚሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ኣቶ መኮነን ኣስዒቡ፡ 45 ሽሕ

    ፈልሲታት ዒቃ፡ ቈልቋል፡ ቀላሚጦስ፡ ጎሞሮ፡ ዳዕሮንን ወይባን ክትከል ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ዕማም ብልዑል ሱታፌ ይሰላሰል ከምዘሎ ኣብሪሁ።እቲ ወፈራ፡ ጎቦ ፎርቶ ገሪብካ

    ነቲ ከባቢ ንምርጋእን ነታ ከተማ

    ንምምዕራግን ዝዓለመ ምዃኑ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ምህንድስናን ምምሕዳር ፕሮጀክትታን ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኢንጂነር ተኽለሃይማኖት ገብረሚካኤል ገሊጹ። ኣብ’ቲ ወፍሪ ዝሳተፉ ዘለዉ

    ኣቶ መሓመድ ሱሌማንን ኣቶ ትንሳኤ ሃብተን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ጽቡቕን ኣተባባዕን ብምዃኑ፡ ብልዑል ተወፋይነት ይሰርሑ ምህላዎም ኣብሪሆም። ኣመሓዳሪት ምምሕዳር ከባቢ

    ዓዲ-ወግሪ ወይዘሮ ኣበባ ገብረኣብ፡ ነበርቲ’ተን ዓድታት ዘካይድዎ ዘለዉ ማእቶት ንረብሓኦም ምዃኑ ተገንዚቦም ብተወፋይነትን ይሰርሑ ስለዘለዉ፡ ቅድሚ ዝተመደበሉ ግዜ ክፍጽምዎ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣረዲኣ።

    ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ራ-ቡክራ - ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ በብዓመቱ ብዝቐስምዎ ዘለዉ ተመኲሮን ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም ብዝምዝገብ ዘሎ ለውጥን ተተባቢዖም፡ ዘሰላስልዎ ዘለዉ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምድንፋዕ ጻዕርታቶም ከሐይሉ ምዃኖም፡ ሕርሻዊ ንጥፈታቶም ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ገሊጾም።ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ

    ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ዳኒ መሓመድ ማኑ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 120 ሄክታር ከምእተሓርሰን ኣስታት 80 ሄክታር ኣብ ምሕፋስ ምህርቲ ከምዝበጽሐን ኣብሪሁ።

    ኣቶ ዳኒ ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተራእየ ኣንበጣ ብምትሕብባር ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ብዘካየድዎ ሓያል ጻዕሪ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ከምዝኣተወ ሓቢሩ።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ

    ኣቶ ኢብራሂም ኣሕመዲን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተዋደደ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ርግኣትን ለውጥን ከምዘምጽአ ንናይ ከባቢታት ጢዖ፡ ሳሮይታን ራ-ቡክራን ከም ኣብነት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምስሳን ሕርሻዊ ምህርቲን ንዝቐሰሞ

    ተመኲሮ ብዝለዓለ ክሰርሓሉ ተላብዩ።ኣቶ ኢብራሂም ብተወሳኺ፡

    ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረክብን ተሓጋጊዙ ከባቢኡ ብምቕያር መነባብሮኡ ከመሓይሽን ምእንቲ ክኽእል፡ ፋሕ ኢለን ዝርከባ ዓድታት ኣብ ዝሓሸ ቦታ ምጥርናፍ ብዕቱብ ክትኰረሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ሳላ

    ሓልዮት መንግስቲ ተጠርኒፎም ርጉእ ህይወት የሕልፉ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ማይን ሓመድን ንምዕቃብን ሕርሻዊ ምህርቲ ንምኽዕባትን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ተሳታፍነቶም ከዕዝዙ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

    ነበርቲ ራ-ቡክራ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምድንፋዕ ጻዕርታቶም ከምዘሐይሉ

    ኣረጋጊጾም

    ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ዝካየድ ዕዳጋ ተካውዳ - ንኡስ ዞባ ጎኜ፡ ጠለባቶም ብቐረባ ኣብ ምምላእ ልዑል ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ፡ ተገልገልቲ ሓቢሮም።ንሳቶም ኣብ ሓበሬታኦም፡ እቲ

    ዕዳጋ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጹ ነጋዶ ዘአንግድ ብምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ሃለኽቲ ነገራትን ጥሪትን ብርትዓዊ ዋጋ ክረኽቡ

    “ዕዳጋ ተካውዳ ልዑል ኣበርክቶ ይገብረልና ኣሎ”

    ተገልገልቲከምዝሕግዞም ብምጥቃስ፡ ኣብ ዓዶም ክረኽብዎ ዘይክእሉ ቀረባት ክረኽቡን ፍርያት ከባቢኦም ኣብ ዕዳጋ ኣቕሪቦም ንኽሸጡን ኣኽኢሉዎም ከምዘሎ ኣረዲኦም። ዕዳጋ ተካውዳ ሓደ ካብ ዕሙራት

    ዕዳጋታት ናይቲ ከባቢ ብምዃኑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ዝመጹ ነጋዶን ተገልገልትን ስለዘአንግድ፡ ዘድልዮም ክረኽቡ ከምዝበቕዑ ዝሓበሩ ኣቶ ኦኑር ዓብዱራሕማንን ኣቶ ሓሰን ልባብን፡ ነበርቲ’ቲ ከባቢ መጠነ ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈት ብምክያድ መነባብሮኦም ዝመርሑሉ ኣታዊ ክረኽቡ ባይታ ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም።ኣቶ ዳውድ ዓብደላን ኣቶ

    መሓመድ ሓዞትን ብወገኖም፡ እቲ ዕዳጋ፡ ደቂኣንስትዮ’ቲ ከባቢ ላኻን ውጽኢቱን ንመሸጣ ብምቕራብ ቊጠባዊ ትሕዝቶአን ከማዕብላ ከምዝሓገዘን ብምምልካት፡ ኣብ’ቲ ዕዳጋ ዝቐርቡ ፍርያት ብርክት ዝበሉ ኮይኖም፡ ዋጋኦም’ውን ርትዓዊ ምዃኑ ኣብሪሆም። ተቖጻጻሪ ናይ’ቲ ዕዳጋ ኣቶ

    ሱሌማን ዓማር ድማ፡ እቲ ዕዳጋ ዝህቦ ኣገልግሎት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይኸይድ ብምህላው፡ ምስ ዝህቦ ኣገልግሎት ዝዳረግ ኣታዊ ንምኽዕባት ምቹእነት ዝፈጥር ንክኸውን ቈላሕታ ክግበረሉ ኣተሓሳሲቡ።

    ዑረት ንምክልኻል ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣሃዱ ሃገራዊ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ዑረትን ኣብ ሆስፒታል ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ን846 ሰባት ድሕሪ ዝተገብረ መርመራ፡ ን200 ሰባት ዕዉት መጥባሕቲ ዓይኒ ከምእተኻየደ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ሓላፊ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ ገብረስላሰ ገብረማርያም ገሊጹ።ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ዝተገብረ

    መርመራታትን መጥባሕቲን ዓይኒ መርኣያ ናይ’ቲ ጥዕና ዜጋታት ብሓፈሻ ንምውሓስን ዑረት ንምክልኻልን ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ከምዝኾነ ብምምልካት፡ ዓወት ናይቲ ዕማም ንብቕዓት ኤርትራውያን ሞያውያን ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣብሪሁ።

    ዓዲቐይሕ፡ ን200 ሰባት ዕዉት መጥባሕቲ ዓይኒ ተኻዪዱ

    እቶም ነቲ ናጻ ኣገልግሎት ዝረኸቡ ሕሙማት፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕ፡ ሰንዓፈ፡ ማይ-ዓይኒን ጸሮናን ዝመጹ ምዃኖም ድማ ኣብሪሁ።ሓላፊ ሆስፒታል ከተማ ዓዲ-ቐይሕ

    ዶክተር በሃበሎም ሚኪኤል ብወገኑ፡ እቲ ዕማም ብጽፈት ንኽሰላሰል ብኣባላት’ቲ ሆስፒታል ንዝተራእየ ውህደትን ተወፋይነትን ድሕሪ ምምጓስ፡ ዝኾነ ምልክታት ሕማም ዓይኒ ዝስምዖ ዜጋ ከይተደናጎየ ናብ ሆስፒታል ክመጽእ ተላብዩ።መጥባሕቲ ዝተገብረሎም

    ሕሙማት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ቀረባን ብነጻን ንዝረኸብዎ ኣገልግሎት ብምምስጋን፡ ኩነታት ጥዕናኦም ከምእተመሓየሸ ኣብሪሆም።ልኦት ኣካላትን’ውን ተራኦም

    ከዕዝዙ ተላብዩ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 28 ጥሪ 2012 - ገጽ 1

    ገምጋም-ፊልም ሽኮርደረስቲ፥ ከቢረ ዓ/ዋስዕ / ሃብቶም ኣስመላሽ

    ዳይረክተር፥ ያሲን ኣቡ-የዚድ ስኣሊ፥ ተሻለ ብርሃነ

    ኣርታዒ፥ ናስር ዓ/ራሕማን

    ደረጃ ብጽሩራ፥ ፍርቂ (24.70%)

    ብመማይት ኮሚቴ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ 3ይን መወዳእታን ክፋል

    3. ሲነማቶግራፊብሓፈሻ ክርአ እንከሎ፣ ፊልም

    “ሽኮር”፣ ክንዮ ትርኢታት ምቕራጽ ዝኸይድ ብልሓትን ፈጠራን ሲነማቶግራፊ ንምርኣይ ከም ዘይከኣለ ይግምገም።

    ንጻረ-ስእሊ

    ኣብ ዝበዝሐ ትርኢታት ኣጠቓቕማ ብርሃን ዝምኽንያቱ፣ ብቕዓት ካሜራ’ውን ከም ጠንቂ ክውሰኾ ዝኽእል ጸገማት ንጻረ ብብዝሒ ተራእዩ። ዝበዝሕ ኣብዚ ፊልም ዘሎ ስእሊ፣ ኣመና ዝጻዕደወን ዕምቈት ዝጎደሎን’ዩ። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፣ ኣብ መበል 10 ደቒቕ፣ 32 ደቒቕ፣ ከምኡ’ውን ኣብ መበል 1 ሰዓትን 43 ደቒቕን ዝተራእየ ናይ ፎኳስ ጉድለታት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ብተወሳኺ፣ ኣብ ገለ ትርኢታት ምኽፋት ኣይሪስ (መእተዊ ብርሃን) ዘስዓቦ፣ ኣብ ውሑድ ብርሃን ዘለዎ ቦታታት ዝተሳእለ ነጠብጣባት ዝዓብለሎ ትርኢታት ተራእዩ። (ንኣብነት ኣብ መበል 13 ደቒቕ)

    ቀዋምነት / ምንቅስቓስ ካሜራ

    ምንቅስቓስ ካሜራ፣ ንፊልም ህይወት ክህቡ ካብ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ተክኒካት’ኳ እንተዀነ፣ ተሓሲብሉ እንተ ዘይተገይሩን ብውሕልነት እንተ ዘይቀሪቡን ውጽኢቱ ኣዕናዊ ይኸውን።ንኣብነት፣ ኣብ መበል 43

    ደቒቕ ኣብ ሱፐርማርኬት ዝነበረ ትርኢት፣ ካሜራ ተርእዮ ወይ ትመርሖ ነገር ወይ ሰብ ዘየለ ንጸጋም ብዘይምኽንያት ዘይራ (ፓን) ገይራ፣ እታ ስእሊ ኣብ ሓዲግ ትዕጾ።ብተወሳኺ፣ ከም መሰጋገሪ

    ተባሂሉ ዝቐረበ ኣብ ዝተፈላለየ ትርኢታት ድራማቲካዊ ትርጕሙ ዝሰሓተ ካብን ናብን ዘየገድሱ ነገራት ዝወጽእን ዝኣቱን ኣሳእል ተራእዩ። ኣመራርጻ ኩርናዓት

    ብዝጠዓመ ንገጻት ተዋሳእቲ ኣብ ምቕራጽ ዝዓለመ ደኣ እምበር፣ ብልሓታውነትን ድራማዊ ጥበብን ዘንጸባረቐ ኣወሳስዳ ኵርናዓት ኣይተራኣየን። ብዘይካ’ዚ

    ተመጣጣንነት ዝውሰድ ኵርናዓት ብቑመት፣ ኣንፈትን ኵርናዕን ኣብ ብዙሕ ትርኢታት ኣይተሓለወን።ብተወሳኺ፣ ኣብ ብዙሕ

    ትርኢታት ካብ ላዕሊ ዝውሰድ ዝነበረ ኵርናዓት ንተገጣጣምነት ቅላዓት (ሾትስ) ኣብ ብዙሕ ትርኢታት ዝሃሲ ኣብ ርእሲ ምስባሩ፣ ሲነማዊ ትርጉሙ’ውን ዝሰሓተዩ ነይሩ። ንኣብነት፣ ስእሊ ቍጽሪ 1 ርአ።

    ብርሃን

    ኣብ ዝበዝሐ ትርኢታት ልዕሊ ዓቐን ብርሃን (overexposure) ኣብቲ ዝተረፈ ትርኢታት ከኣ ትሕቲ ዓቐን ብርሃን (underex-posure)፣ ብሓፈሻ ዘይምጡንነት ዓቐን ብርሃን ኣብዚ ፊልም ዓብሊሉ ተራእዩ። ኣብ 1 ሰዓትን 41 ደቒቕን ዘሎ ጸሓይ ዝደጕሓቶ ናይ ደገ ስእሊ ከም ኣብነት ናይቲ ልዕሊ ዓቐን ብርሃን ዝረኸበ ትርኢታት ክቐርብ ይኽእል።ኪንዮ መሰረታዊ ንመስርሒ

    ካሜራ ዝኸውን ብርሃን፣ ሃዋህውን መንፈስን ትርኢታት ዘደርኽ ስራሕ ናይ ብርሃን ኣብዚ ፊልም ፈጺሙ ኣይተንጸባረቐን። ስእሊ

    ቍጽሪ 2 ርአ።

    ሕብሪ

    ብዙሕ ትርኢታት ብዘይ መባእታዊ ምንጽጻር ሕብሪ (white balance) ብምስኣሉ፣ ሕብራዊ ትሕዝቶኡ ተመዛቢሉ። ኣብ ብዙሕ ትርኢታት ናይዚ ፊልም ክረአ ከም ዝኽእል፣ ገጻት ተዋሳእቲ ደም ናብ ዝመስል ሕብሪ ተቐይሩ፣ ኣብ ገለ ከኣ ኣመና ጻዕድዩ (ተበሊሉ) ቀሪቡ። ንኣብነት፣ ኣብ መበል 2 ደቒቕ፣ 20 ደቒቕ፣ 23 ደቒቕ፣ 32 ደቒቕ፣ 1 ሰዓትን 15 ደቒቕን ካብ ብዙሕ ከም ኣብነት ክቐርብ ይኽእል።

    ድምጺ

    ክብን ለጥቕን ዝበዝሖ፣ ኣብ ገለ ትርኢታት ኣመና ዝገርነወን ድምጺ ቀሪቡ። ብዙሕ ትርኢታት ናይዚ ፊልም ብደገ ተመሊኡ (ዳብ ኰይኑ) ዝቐረበ ክኸውን ከሎ፣ ብዙሕ ናይ ድምጽን ከንፈርን (ሊፕ ሲንክ) ምስሕሓት ነይሩ። (ንኣብነት፣ ኣብ መበል 13 ደቒቕ)

    ኣልባሳት

    መብዛሕትኦም ተዋሳእቲ፣ ብዕድመ ደረጃ መነባብሮ፣ ቦታኦም ኣብቲ ሕብረተሰብን ካልእን ነቶም ናይ ዛንታ ጠባያት ብልክዕ ንምምሳል ዝተኸደኑዎ ክዳውንቲ ዝጥቀስ ጸገም ኣይነበሮን። ዛንታ ፊልም ሽኮር‘ውን ብመሰረቱ፣ ናይ ተራ ሰባት ዛንታ ስለዝዀነ ነቲ ዛንታ ዝኸውን ፍሉይ ክዳውንቲ ክሳብ ክንድኡ ዘድሊ ኣይኰነን።

    ምከና

    ነቲ ዛንታ ንኽጸውር ዝተመርጸ ቦታታት ንኣብነት፣ መንበሪ ገዛ ሰለሙን ከም እንዳ ድኻ፤ እንዳ ተኽለ ከም እንዳ ሃብታም ደሓን ብዝዀነ ኣገባብ ተወኪሉ። እንዳ ጽርበት ዕንጸይቲ ከም ቦታ ስራሕ፣ ቤት ትምህርቲ፣ መዘናግዒ ቦታታት’ውን ብሓፈሻኡ ጽቡቕ ነይሩ። እንተዀነ ግን ንመንፈስ ናይቲ ዛንታ ንምዕማቝ ሲንግራፊ ብግቡእ ኣይተሰርሓሉን። ገለኡ ቦታታት ተዋሳእቲ ኣብ ገለ ቦታ ክህልው ስለዘለዎም እንተ ዘይኰይኑ፣ ብግቡእ ዘይተሓስበሉ ኣይመስልን። ጠባያት/ተዋሳእቲ ኣብቲ ቦታታት ጥሒሎም ብመሰረት መንጸፍ ናይቲ ዛንታ ብምልኣት ክነብሩዎ፣ ክንቀሳቐሱን ክወሃሃዱን ኣይከኣሉን። ኣወሳስዳ ኣሳእል’ውን ዕምቈት ዝጎድሎ መብዛሕትኡ ብጸቢብ ተደጋጋም ኵርናዓት ዝተወስደ ብምዃኑ፣ ነቲ ሲነማዊ ቋንቋ ኣህሲሱዎ ይርአ።

    ሜክኣፕ

    ነቲ ኣብ መረጻ ተዋሳእቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ንምምላእ ይኹን፣ ኣብቲ ዛንታ ንዝተፈጥረ ሓደስቲ ፍጻመታት ኣእማኒ ንምግባር ኣብ ተዋሳእቲ፣ ቦታታት ዛንታ ይኹን ንብረት ዝግበር ናይ ሜክኣፕ ስርሕ ልክዕን ኣእማኒን ክኸውን ይድለ። በዚ መንጽር፣ ሰለሙን ከም ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ንእሽቶ ንምምሳሉ ዘድሊ ናይ ሜክኣፕ ስራሕ ክግበር ኣይተኻእለን። ከምኡ’ውን ኣብ ኣደ ናዝሬት ዝተገብረ ናይ መረጻ ጕድለት ብሜክኣፕ ኣይተሸፈነን። እቲ ዝተገብረ ቁኖን ስልማትን ንበይኑ ኣእማኒ ኰይኑ ኣይተረኽበን። ምሕረት’ውን ብሕልፊ ኣብ እንዳ ተኽለ ጓሎም እምበር ሰራሕተኛኦም ኣይትመስል ነይራ። ስለዚ፣ ዝሓሸ ናይ ሜክኣፕ ስራሕ ክግበረላ ነይሩዎ።

    ንብረት

    መብዛሕትኡ እቲ ዝርአ ዝነበረ ንብረት፣ ነቲ ኩነታትን መንፈስን ድሕረ-ባይታን ናይቲ ዛንታ ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ።

    4. ኣርት ዲዛይንን ሜክኣፕን

    ስእሊ ቍ.1 ሲነማዊ ትርጉሙ ዝሰሓተ ኵርናዕ ስእሊ

    ስእሊ ቍ.2 ግቡእ ቁጽጽር ብርሃን ካብ ዘይተገብረሉ ትርኢታት

    ኣብዚ ፊልም ካብ ዝተራእየ ሓፈሻዊ ድኽመታት ኣካይዳ ዛንታ፣ ብሓይሊ ኣርትዖት ብመጠኑ ክፍወስ ምኸኣለ። ኣርትዓት ንዘገድስ ብምጕላሕ ንዘየገድስ ብምእላይ ንዝምድናታት ግዜን ቦታን ብምቕናይ ሓፈሻዊ ቅርጺ ፊልም ዘትሕዝ ኣገዳሲ መስርሕ ፊልም’ዩ። ኣብ ፊልም “ሽኮር” ዘሎ ስራሕ ኣርትዖት ግን ትዅረት ዘድልዮ ክፋላት ፊልም ከድምቕ ኮነ ዝተመጠጠ ዛንታን ስምዒታትን ከሕጽር ኣይተራእየን። ኣብ መደምደምታ ፊልም ንዝመጽእ ፍታሓት (resolution) ንምሕያል ኣብ ቅድሚት ፊልም ዝነበረ ዘገምታዊ ኣካይዳ ኣይሓገዞን። ኣብ መወዳእታ ድሕሪ እቲ ቀንዲ ምፍታሕ ምስጢራትን ናይ ቅልውላዋት መልስን ብዙሓት ርዱኣት ክነሶም መዕለቢ ክወቦም ዝተፈተነ ጉዳያት ንቁመት ፊልም ኣብ ርእሲ ምንውሖም፣ ድራማዊ ኣገዳስነቶም ስለ ዘይሓለዉ ነቲ ፊልም ኣሰልካዪ ገይሮሞ።

    ብዘይካ’ዚ ብዙሕ ተክኒካዊ ጕድለታት ኣብ ዝተፈላለየ ትርኢታት ተራእዩ። ንኣብነት፥

    - ኣብ መበል 18 ደቒቕ ዘሎ ናይ መፋነዊ ግብጃ፣ ኣቀራርባኡ ዝተኾላለፈ’ዩ። ብተክኒካዊ መዳይ ክረአ ከሎ፣ እዚ ትርኢት’ዚ ክሰኣል ከሎ‘ውን፣ ብግቡእ ተሓሲብሉ ኣይተወስደን። ዝተወስደ ስእልን ኣቀራርባኡ ንብዙሕ ሲነማቶግራፊያዊ ቅጥዕታት ኣየማልአን፤- ንዘየድሊ ኣብ ክንዲ ምቑራጽ፣ ናይ ግዜ ምቕልጣፍ (speed effect)

    ምጥቃም፤ - ናይ ግዜ ቀጻልነት ምሕላው (ንኣብነት፣ ኣቦኣ ንናዝሬት ካብ መኪና

    ሒዙዋ ናብ እንዳ ሰለሙን ገዛ ንኽኣቱ ካብታ መኪና ክወጽእ ተራእዩ ክነሱ ኣብታ ገዛ ንኽበጽሕ ኣመና ይድንጒ)፤- ንቕላዓት እኹል ግዜ ዘይምሃብ (ንኣብነት ቺካ ሰልዲ ካብ ጣውላ

    ከልዕል ከሎ 1 ሰዓትን 4 ደቒቕን)፤- ተዛማዲ ናይ ድምጺ ርሕቀትን ሞጎታዊ ኣቀራርባን ክትሕሉ

    ዘይምኽኣል፤- ኣብ ተለፎን ዝኣቱ ድምጺ ክህሉዎ ዝነበሮ ናይ ድምጺ ‘ኢፈክት’

    ዘይምንባር፤- ትርጕሞም ዝሰሓቱ መሰጋገሪታት፤- ኣብ ምንቅስቓስ ናይ ዘለዉ ኣሳእል መሰጋገሪ ምግባርን- ዘይሰማምዑ ቅላዓት (ሾትስ) ምልግጋብን

    5. ኣርትዖት

  • ሓዳስ ኤርትራ 28 ለካቲት 2014 - ገጽ 4

    ሳሙኤል ገብረብርሃን

    ኣብ ሲቪላዊ ጉዳይ ምስክር ተቐዪዱ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ይኽእል ዶ?

    ምስ ሓደ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ሲቪላዊ ጉዳይ ኣሎኒ። ‘ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ኣለዎ’ ንዝበልኩዎ ሰብ ድማ፡ ሓቅነተይ ከረጋግጸለይ ምስ ክሰይ ኣተሓሒዘ ከም ምስክር ረቑሐዮ። ብመሰረት ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ መጸዋዕታ ተላኢኹዎ ከብቅዕ፡ ኣብ ዕለተ ቈጸራ ግን ክርከብ ኣይክኣለን። ሕቶይ፡ ኣቐዲመ ኣብ ክሰይ ዘይረቛሕኩዎ ካልእ ሰብ ክምስክረለይ ክሓትት ብሕጊ ይፍቀደኒ ዶ? እቲ ዘይቀረበ ምስክር ከ ብሕጊ ተቐይዱ ክቐርብ ይኽእል ዶ?

    ብእምነት ኣይሙትዓተከሌዛን

    ዝኸበርካ ብእምነት፡ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ሕቶ ብቐጥታ ምስ መርትዖ ዝተሓሓዝ እዩ። መርትዖ ማለት፡ ዝቐርብ ምጉት ሓቂ ምዃኑ ንቤት ፍርዲ ንምእማን ብሰብ ጉዳይ ዝቐርብ ናይ ቃል ወይ’ውን ናይ ጽሑፍ መረድኢታት እዩ። ከምቲ ኣብቲ ሕቶ ቀሪቡ ዘሎ፡ ምቕራብ መሰኻክር’ውን ካብቶም ዝጥቀሱ ናይ ቃል መርትዖታት ሓደ እዩ። ንስኻ’ውን ከም ከሳሲ መጠን፡ ምስ ናይ ክሲ ምልክታኻ ነዞም ዝስዕቡ ኣተሓሒዝካ ከተቕርብ ግዴታ ኣለካ። • ዝርዝር ኣስማት ናይ

    ቤት ፍርዲ ንዝሃቦ ውሳነ ዳግማይ ክምርምር ስልጣን ኣለዎ ድዩ?

    ብገንዘብ ብዝበገስ ክርክር ኣብ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ነይሩኒ። ኩሉ መስርሓት ተኸቲሉ ድማ፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ውሳኔ ሂቡሉ። መከራኽርተይ ግን፡ ጌጋ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ነቲ ውሳኔ ዝሃበ ቤት ፍርዲ፡ ውሳኔኡ ከም ብሓድሽ ክምርምሮ ዝጠልብ ምልክታ ኣቕሪቡ። ብመሰረት እዚ ድማ፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሃቦ ውሳኔ ኣማሓዪሽዎ። ሕቶይ፡ ቤት ፍርዲ ሓንሳብ ንዝሃቦ ውሳኔ ባዕሉ ከማሓይሽ ይኽእል ድዩ? ይግባይ ዶ ኣይኰነን ክብሃለሉ ዝግባእ?

    ሓፍትኹም - ኣስመራ

    ሓፍትና ኣልዒልክዮ ዘለኺ ሕቶ ብቐጥታ ኣብ መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ

    ስርዓት ኤርትራ ዓንቀጽ 207-212 ተገሊጹ ምስዘሎ ነጥቢ ዝተኣሳሰር እዩ። ኣብዚ ፈለማ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት፡ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ መስርሑ እናቐጸለ ንዝፍጸሙ ጉድለታት ንምእራም ዝተፈላለዩ መፍትሒታት’ዩ ኣቐሚጡ ዘሎ። ካብዚኣቶም እቲ ብዙሕ ግዜ ዝስርሐሉ ሓደ፡ ጉዳይ ንይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ጌጋታት ክእረሙ ምሕታት እዩ። ኣብዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኣብ መስርሕ ድንነት ንዝተፈጸመ ጌጋ ንምእራም ዝቐርብ ሕቶ፡ ናብቲ ጌጋ ፈጺሙ ዝተባህለ ቤት ፍርዲ ዘይኰነ፡ ኣብ ደረጃኡ ናብ ዝርከብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ’ዩ ዝቐርብ። ኣብ መስርሕ ድንነት ንዝኽሰቱ

    ስሕተታት ንምእራም፡ እቲ ኣማራጺ ይግባይ ጥራይ ከም ዘይኰነ ግን ሕጊ ኣቐሚጥዎ ካብ ዘሎ ድንጋጌታት ምግንዛብ ይክኣል። መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት እንተደኣ ተመልኪትና፡ ሓደ ቤት ፍርዲ ገዛእ ርእሱ ንዘሕለፎ ትእዛዝ ወይ ንዝሃቦ ውሳኔ ንምምሕያሽ፡ ንምእራም ወይ ዳግማይ ንምርኣይ ብሕጊ ስልጣን ዝተዋህቦ እንተደኣ ኴይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘሕለፎ ትእዛዝ ወይ ዝሃቦ ውሳኔ ይግባይ ክቐርብ ዝኽእል እዚ ቅድመ-ኩነት’ዚ እንተደኣ ተማሊኡ ጥራይ እዩ። ካብዚ ኸኣ፡ ሓደ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ትእዛዝ ወይ ፍርዲ ገዛእ ርእሱ ተመሊሱ ዳግማይ ዝርእየሉ ስርዓት ከምዘሎን ዝተፈጸመ ጌጋ ንምእራም

    ዝውሰድ ቀዳማይ መፍትሒ ኸኣ ይግባይ ምሕታት ዘይኰነ፡ ተፈጺሙ ዝብሃል ጌጋ ንኽእረም ጉዳይ ንዝሓዘ ቤት ፍርዲ ምሕታት ምዃኑ ንርዳእ። እዚ ኣሰራርሓ’ዚ፡ ኣብ ይግባይ

    ሰማዕቲ ኣብያተ ፍርዲ ክኽሰት ንዝኽእል ናይ ስራሕ ምጭቕጫቕ ዘውሕድ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንተኸራኸርቲ ወገናት’ውን ሕቶኦም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ንዝፈልጦ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ፡ ዝቐልጠፈ መፍትሒ ዝረኽብሉ ኩነታት ዘመቻችእ፡ ጉዳያት ብዉሑድ ግዜን ወጻኢን ንኽእንገዱ ዕድል ዝህብ ኣሰራርሓ እዩ። ኣብ መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብቐዳማይ ደረጃ

    ጉዳይ ዝረአየ ቤት ፍርዲ፡ ኣቐዲሙ ንዝረኣዮ ጉዳይ ተመሊሱ ዝምርምረሉ ብርክት ዝበሉ ኣገባባት ኣለዉ። ምስዚ ዝቐረበ ሕቶ ብቐጥታ ዝተሓሓዝን ተፈጻምነት ዘለዎን ግን ኣብ መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ ዓንቀጽ 207 ሰፊሩ ዘሎ መሰረታዊ ሓሳብ እዩ። ኣብዚ ዓንቀጽ’ዚ ሰፊሩ ካብ ዘሎ ሓሳብ ክንረዳኦ እንኽእል ነገር፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝካየድ ክርክር ስርዓት ከይተኸተለ ዝቐረበ ክሲ ምስዝኸውን ወይ ኣብ መስርሕ ዳንነት ሕጊ ዘቐመጦ ናይ ስነ-ስርዓት መምርሒታት ብግቡእ ዘይተፈጸመ እንተደኣ ኰይኑ፡ ቤት ፍርዲ ብዘይ ስርዓት ንዝተፈጸመ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ክስርዞ ይኽእል። ከምዚ ክግበር ዝኽእል ድማ፡ ተኸራኸርቲ ብዘቕርብዎ ምልክታ ጥራይ ዘይኰነ፡ ቤት ፍርዲ ብተበግሶኦ’ውን ክገብሮ ስልጣን ኣለዎ። ስለዚ፡ ዝተፈጸመ ጉድለት ምስ ስርዓት ዝተኣሳሰር እንተደኣኴይኑ፡ ሰብ ጉዳይ ናይ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ምዃድ ከየድለዮም፡ ነቲ ስሕተት ዝፈጸመ ቤት ፍርዲ ከመልክቱ ይፍቀደሎም እዩ። ቤት ፍርዲ ናይ ስርዓት ጉድለት ከም ዝፈጸመ እንተደኣ ኣሚኑ ኸኣ፡ ነቲ ጉድለት ክእርሞ ስልጣን ኣለዎ። ኣብዚ፡ ቤት ፍርዲ ንኸመይ ዝበለ ጉድለት’ዩ ክእርም ስልጣን ዘለዎ? ዝብል ሕቶ ግን ክልዓል ይኽእል እዩ። ብሕጊ፡ ናይ ስነ-ስርዓት ዘይስርዑነት እንተደኣ ተፈጺሙ’ዩ፡ ቤት ፍርዲ ባዕሉ ንዝሃቦ ውሳኔ ከማሓዪሽ ስልጣን ዘለዎ። ናይ ስነ-ስርዓት ዘይስርዑነት ስለዝተፈጸመ ጥራይ’ውን ኣይኰነን ውሳኔ ከማሓይሾ ዝኽእል፡ እቲ ዝተፈጸመ ዘይስሩዕነት ብሓቂ ኣብቲ ጉዳይ ንዝተዋህበ ውሳኔ ዝጸልው’ውን ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ሓታቲት፡ ምናልባት ኣብ

    ሕቶኺ እቲ ዝተፈጸመ ጉድለት ብልክዕ ስለ ዘይገለጽክልና፡ ዝተገብረ ምምሕያሽ ናይ ውሳኔ ሕጋዊ ባይታ ኣለዎ ወይ የብሉን ንምባል ኣጸጋሚ እዩ። ብዝዀነ ግን፡ ሕመረት ሕቶኺ፡ ‘ቤት ፍርዲ ሓንሳብ ንዝሃቦ ውሳኔ ባዕሉ ከማሓይሽ ይኽእል ድዩ?’ ዝብል ስለዝዀነ፡ ሕጊ ኣብ ዘፍቅደሉ ኩነታት፡ ነዚ ልዕል ኢልና ዝገለጽናዮ ኣገባብ ብምኽታል፡ ቤት ፍርዲ ባዕሉ ንዝሃቦ ውሳኔ ወይ ንዘሕለፎ ትእዛዝ፡ ብተበግሶኡ ወይ ብጥርዓን ተኸራኸርቲ ወገናት ዳግማይ ክምርምር ስልጣን ኣለዎ።

    መሰካኽርካን ዝጽዉዕሉ ዘለዉ ዕላማን፡ • ዝርዝር ናይ ጽሑፍ

    መርትዖታትካን ምስ መን ከም ዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታን፡ • ቀንድን ቅዳሕን ናይቶም ኣብ

    ኢድካ ዝርከቡ ሰነዳት፡ • እተቕርቦ ምስክር ወይ ሰነድ

    ምስ ዘይህሉ ድማ፡ ነዚ ዘረጋግጽ ሓበሬታ። ከም መትከል፡ ብመሰረት መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ምስክርነቶም ክስምዑ ዝፍቀደሎም መሰኻክር፡ እቶም ኣቐዲሞም ኣብቲ ንመሰኻክር ዝምልከት ጥብቆ ኣስማቶም ዝተዘርዘሩ ሰባት ጥራይ እዮም። እዚ ማለት፡ ኣብቲ ዝርዝር ናይ መሰኻክር ስሙ ዘይተጠቕሰ ሰብ ምስክርነት ክህብ ኣይፍቀደሉን እዩ። ስለዚ፡ ንስኻ ሓታቲ’ውን፡ መነመን ክምስኩሩልካ ምዃኖም ኣቐዲምካ ዝርዝር ኣስማቶም ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብካ ስለዝዀንካ፡ ኣቐዲምካ ዘይጠቐስካዮ ድሒርካ ክምስክረልካ እትደልዮ ዘለኻ ሰብ ከም ምስክር ከተቕርቦ ሕጊ ኣይፈቕደልካን እዩ። እዚ ዀይኑ እቲ መሰረታዊ መምርሒ፡ ምስ ክስኻ ኣተሓሒዝካ ዝረቛሕካዮ ምስክር ከተቕርቦ ዘይክኣልካ ብብቑዕ ምኽንያት ምዃኑ ንቤት ፍርዲ ከተረድእ እንተደኣኽኢልካ ግን፡ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝርዝር ዘየለዉ መሰኻክር

    ክቕበለካ ይኽእል እዩ። ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ነጥብታት

    ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብቲ ካልኣይ ሕቶ ምስ እንሰግር ድማ፡ እቲ ዘይቀረበ ምስክር ከ ብሕጊ ተቐይዱ ክቐርብ ይኽእል ዶ እዩ ሕመረት እቲ ሕቶ። ኣብ ገለ እዋን ምስክር መጸዋዕታ ተላኢኹዎ ከ ብ ቅ ዕ ኣብ ግዜ ቈ ጸ ራ ከይቀረበ ይተርፍ እ ዩ ። ኣ ብ ከምዚ ኩ ነ ታት

    እንታይ ሕጋዊ ስጉምቲ’ዩ ዝውሰድ ንዝብል ነጥቢ፡

    መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ መልሲ ኣለዎ። ንሱ ድማ፡ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ስጉምቲ ምውሳድ ነቲ ምስክር ብግቡእ መጸዋዕታ ከም ዝበጸሖ ምርግጋጽ እቲ ቀዳማይ ዝግበር እዩ። መጸዋዕታ ብግቡእ

    ከምዘይበጸሖ እንተደኣተረጋጊጹ ኸኣ፡ ዳግማይ መጸዋዕታ ከም ዝልኣኸሉ’ዩ ዝግበር። ካብዚ ሓሊፉ፡ መጸዋዕታ ብግቡእ

    በጺሕዎ ከብቅዕ፡ ብዘይ ዝዀነ ብቑዕ ምኽንያት ቈጸራ ቤት ፍርዲ ምስ ዝጠልም ግን፡ ቤት ፍርዲ ብ መ ገ ዲ

    ፖ ሊ ስ

    ተቐዪዱ ክቐርብ ትእዛዝ ክህብ ይኽእል እዩ። እዚ ክግበር እንተደኣዄይኑ ግን፡ ምስክር ብግቡእ መጸዋዕታ ከም ዝበጸሖን ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘይቀረበን ክረጋገጽ ይድለ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 28 ለካቲት 2014 - ገጽ 5

    ? ገብሩ ክብረኣብ

    ኣጋታ ክሪስት

    ምሉእ ስም፡- ኣጋታ ክላሪሳ ክሪስትዝተወልደትሉ ዓመት፡- 1890

    ዓዲ፡- ዓዲ-እንግሊዝሞያ፡- ደራሲት

    ደይም ኣጋታ ማሪ ክላሪሳ ክሪስት ትበሃል። ሜሪ ወስትማኮት ብዝብል ስም ብርዒ፡ ፍቕራዊ ዛንታ ዝሓቘፈ ሽድሽተ መጽሓፍቲ ንንባብ ኣብቂዓ። ግና ዝያዳስ ገበናዊ ልበ-ወለድ ብምጽሓፍ’ያ ብዙሕ

    ትልለ። ኣብ’ዚ ዘተኰረ 66 ኖቨላትን 14 (እኩባት ዛንታታት) መጽሓፍቲ ሓጸርቲ-ዛንታታት ኣሕቲማ። ብዙሕ ካብ ተዋስኦታታ ኣብ መድረኽ ቀሪቡ። ብደረጃ ዓለም ዝነውሐት እትበሃል ተዋስኦ “መጻወድያ ኣንጭዋ” (The Mousetrap) ልልይቲ ተዋስኦኣ’ያ። ገበናዊ መርመራታታ ኣብ ዙርያ ሀርኲል ፖሮት፡ ሚስ ጀይን ማርፕ፡ ቶሚን ቱፐንስን ዝተባህሉ ጠባያት ይዘውር። ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዕድመኣ ዝጽሓፈቶም ዛንታታት ከተሕትሞም ብዙሕ’ኳ እንተኸርተተት ኣይተዓወተትን። ንልበወለድ “ዘ ሚስትሮስ ኣፈየር ኣት ስታይልስ” ኣብ 1920 ጽሒፋ ምስ ኣዳለወታ ‘ቦድለይ ሀድ’ ዝተባህለ ትካል -ሕትመት ገምገማ። እዚ ትካል ድማ’ዩ፡ ፖሮት ዝተባህለ ቀንዲ ጠባይ ኣብ ትልሚ ኣንጺፋ ንዝተጻሕፈት መጽሓፍ ከሕትማ ዝወሰነ’ሞ፡ ንኣጋታ ከምጽሓፊት ዘፍለጣ። ብመሰረት ጸብጻብ ‘ጂነስ ዎርልድ ቡክ ኦፍ ሪከርድስ’ ኣጋታ ክሪስት ኣብ ታሪኽ ዓለማዊ ስነጽሑፍ ዝበዝሐ ኖቨላት ብምሻጥ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ። ዛጊት ኣርባዕተ ሚልዮን ዝኸውን ቅድሓት ኖቨላታ (ልበወለዳዊ መጽሓፍታ) ተሸይጡ። ስነ-ጽሑፋዊ ዕዮታታ ሰፊሕ ዝርገሐ ይውንኑ። ንሳ፡ ብዝርገሐ ስነ-ጽሑፋዊ ዕዮታት ድሕሪ ዕዮታት ዓቢ ጸሓፊ ዊልያም ሸክስፒርን ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ። ንስራሕ ትርጉም ስነጽሑፍ ዝከታተል ትካል ‘ኤንደክስ ትራንስለሽኑም’ ንኣጋታ ክሪስት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልዕሊ መጽሓፍታ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተተርጐመ ካልእ መጽሓፍ

    የልቦን። ኣንጠልጣሊ መጽሓፍታ ናብ ልዕሊ 103 ቋንቋታት ተተርጒሙ። ልበወለድ መጽሓፍ ‘ኤንድ ዘን ዘር ዌር ናን’ ልዕሊ 100 ሚልዮን ቅድሓት ብምሻጣ ዝበዝሐ ዝተሸጠት መጽሓፋ’ያ።

    ኣብ 1971 ካብ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ ‘Dame’(ክብርቲ ወይዘሮ) ዝብል ናይ ክብሪ ስም ተዋሂብዋ። ኣብ 1952 ንፈለማ እዋን

    ኣብ ህንጻ ‘ኣምባሳደርስ ትያትር’ ዝቐረበት ተዋስኦ ‘ማውስ ትራፕ’ ንኣስታት 60 ዓመታት ተራእያ፡ ክሳብ ሕጂ’ውን ትቕጽል ኣላ (እዚ ኣብ 2012 ብዝተኻየደ መጽናዕቲ’ዩ)። ኣብ 1055 ነቲ ዓቢ ኣመሪካዊ ሽልማት ‘ግራንድ ማስተር ኣዋርድ’ ተዓዊታትሉ። ዕዮኣ ዝዀነት ‘ዊትነስ ፎር ዘ ፕሮሰኪዩሽን’ ንሽልማት ኤድጋር በቒዓ። ብዙሕ ካብ መጽሓፍቲ ብመልክዕ

    ፊልም ተሰሪሑ።

    ንሳ፡ ብ 15 መስከረም 1890 ቶርኳይ ኣብ ዝበሃል ክፋል እንግሊዝ ተወሊዳ። ካብ ርኹባት እንግሊዛውያን እትውለድ ኣደኣ ክላራ፡ ጻዕራም ሰበይቲ ነበረት። ካብቲ ኣመሪካዊ መበቆል ዘለዎ በዓል ቤታ ፍረደሪክ፡ ክልተ ውሉድ ምስፈረየት ናብ መበቆል ዓዳ ተመልሰት’ሞ ብዙሕ ሸቀለት። ኣብ ደቡባዊ ክፋል እንግሊዝ ቪላ ክትገዝእ ድሕሪ ምኽኣላ ድማ’ያ ሳልሰይቲ ውላድ ዝረኸበት። ኣጋታ ክትብል ድማ ሰመየታ።እዋናት ህጻንነታ ሕጉስ ምንባሩ ኣብ

    ብዙሕ መሕትታታ ባዕላ ትገልጾ’ያ። (ካብ ኣደኣ ኣትሒዝካ) ኣብ ዙርያ ብዙሕ ነብሰ ምትእምማን ዝውንና ደቀንስትዮ ስለዝዓበየት ሓያል መንነታ ክተነጽር

    እትጽዕርን ክትከውን ብዙሕ ሓጊዝዋ። ምስ ኣጋታ ብዙሕ ምትእስሳር ከምዝነበራ እትግለጽ ኣደኣ ኣብ ገዛ’ያ ተማሂራ። በዚ ዝኣክል ክላራ’ውን ንጓላ ክሪስት ኣብ ገዛ ባዕላ’ያ ፊደል ኣቑጺራታ። መሰረት ተግባራት ቁጽሪን ስነፍልጠትን ክትሕዝ ዝኽኣላት’ውን ብናይ ኣደኣ ጻዕሪ’ዩ። መባእታዊ ሙዚቃ ከይተረፈ ኣብ ገዛ ተማሂራቶ። መሳርሒታት ሙዚቃ ፒያኖን ማንዶሊንን ክትጻወት ዝበቐዐት ብጻዕሪ ኣደኣ’ዩ። ኣጋታ ክሪስት ሽሕ’ኳ ቅርጺ ህይወታ

    መልክዕ ክህልዎ ዝኽኣለ ብደገፍ ስድራኣ እንተዀነ ልቢ ምስ ገበረት ሲ ኣንባቢትን ተመራማሪትን’ያ ዀይና። ነቲ ኣብ 1881 ብ ሞልስዎርዝ ዝተጻሕፈ መጽሓፍቲ ‘ዘ ኣድቨንቸርስ ኦፍ ሄር በይቢ’፡ ‘ክሪስማስ ትሪ ላንድን ዘ ማጂክ ናትስን ብቘልዓኣ ነቢባቶ። ካብ’ዚ ሓሊፋ ንናይ ኤዲስ ነስቢት መጽሓፍቲ ‘ዘ ስቶሪ ኦፍ ትረጀር ሲከርስ’ ዘ ፎነክስ ኤንድ ዘ ካርፐት’ ‘ዘ ረይል ወይ ቺልድረን’ ከም ማይ ሰትያቶ። ብዕድመ እናኽትዓቢ ናይ ንባብ ህርፋና’ውን ጐበዘ። ድሕሪዚ ኸኣ ዕጽቕ ንዝበለ ጽሑፋት ኤድዋርድ ለርን ለዊስ ካሮልን ተተሓሒዛቶ። መጽሓፍ ካብ ምንባብ ጥበብ ተማህረት። ዝተፈላለየ ጥበብ። ከመይ ከምትጽሕፍ ዝሕግዝ ጥበብ፡ ንህይወት ከመይ ክትገጥማ ከምዝግባእ ዝድግፍ ጥበብ. . ። ዝበዝሐ ልቦናን ብልሒን’ውን ካብ መጽሓፍቲ ተማህረቶ። ዝበዝሐ ዕድመ ቈልዕነታ ምስ መጽሓፍቲ ብምንባሩ ንመሓዙት ዝኸውን ግዜ ኣይረኸበትን። ብኡ ዝኣክል ምስ ሰብ ዘይትቐርብ -ስግንጢር ክትበሃል’ያ ዓብያ። ድላይ ጥበብ ብሓፈሻ ናይቲ ብዙሕ እትለማመዶ ዝነበረት ሙዚቃ ድማ ብሕልፊ ምስ በርትዓ ጥራይ’ያ መሳርሕቲ ዝዀንዋ መሓዙት ክተናዲ ዝተገደደት። እዚ ድማ ዕድመ ምስ

    ወሰኸት ነበረ። እቶም ንሳ ዝተላለየቶም ቈልዑ ትያትር ዝፍተዎም ሰራሕቲ ጥበብ ኰኑ። ምስኣቶም እትግበሮ ከምዘይትስእንን ከምዘይስልክያን ምስ ኣረጋገጸት ነቲ ፕሮግራማ ግዜ ፈለየትሉ። ንትያትራቶም ክትዕዘብ ስሕት ኢላ ድማ ክትሳተፍ ጀመረት። ‘ጂልበርት ኤንድ ሱልቫን ስ ዘ ዮመን ኦፍ ዘ ጋርድ’ ብዝብል ናይ ዝፍለጥ ማሕበር ትያትር ሓለቓ ንዝነበረ ሰብኣይ ተዋስኦ ኣጋታ መሰጦ። ኣብ ሓደ ተዋስኦ ቀንዲ ጠባይ ኣልቢሱ ከሳትፋ ድሕሪ ምኽኣሉ ድማያ ብዙሕ ጥበባዊ ተውህቦታት ከምዝተዓደለት ከተለሊ ዝጀመረት። ኣጋታ እግሪ ድሕሪ ምትካላ ሓላፍነት

    ገዛ ኣቦኣ ተቐበሎ። እታ ጻዕራም ኣደኣ

    ውሉዳ ኣብ ምክንኻን ጥራይ ኣድሃበት። ኩሉ ኣታዊታት’ውን ካብ ኣቦ ዀነ። ብተኸታታሊ ሕማም ልቢ ዝውቃዕ ዝነበረ ኣቦኣ ኣብ 1901 ካብ ዓለም ብሞት ምስ ሓለፈ ነታ ገዛ ኣዕነዋ። ንነዊሕ ዓመታት ርኹብ ዝነበረ ገዛ ናብ ድኽነት

    ወደቐ። ኣባላት’ታ ስድራ ብስእነት ክሳቐዩ ዝኽኣሉ’ውን ኣብ ናይ ኣዋርሕ ግዜ’ዩ። እዚ ምስ ኮነ እታ ቦኽሪ ጓሎም ማጅ (ምስ በዓል ቤታ) ካብቲ ከባቢ ረሓቐት። እቲ ሞንቲ ዝተባህለ እንኮ ሓዋ (ንኣጋታ ክሪስት) ናብ ውትህድርና ተዓስከረ’ሞ ናብ ‘ኩናት ቦር’ ንምስታፍ ንደቡብ ኣፍሪቃ ኣበለ። ኣጋታን ኣደኣን ግን ኣብ ደቡብ እንግሊዝ ተረፋ።ጸኒሑ፡ (ስድራ ምስተበታተነት) ግን ጉዳይ

    ናይ’ታ ናብ ቤት-ትምህርቲ ከይተላእከት 11 ዓመት ደፊና ዝነበረት ኣጋታ ክሪስት ሕቶ ዀነ። ግድን ብምንባሩ ኣብ 1902 ናብቲ ኣብ ቶርጓይ ንደቀንስትዮ ጥራይ ዝምህር ዝነበረ ቤትትምህርቲ ተመዝገበት። ዝተፈጥረ ክሊማ ኣብ ጥዕናኣ ብዙሕ ጸገም ስለዝፈጠረላ ግን ክትመሃር ኣጸጋሚ ኰነ። ቦታ ምቕያር ኣማራጺ ኣይተረኽቦን። ግናስ ዓቕሚ ሓጸረ። መምሃሪኣ ዝኸውን ገንዘብ ክረኽባ ንሳን ኣደኣን ሰለስተ ዓመታት ምስ ረሃጻ ጥራይ ድማ’ያ ናብ

    ከተማ ፓሪስ-ፈረንሳ ብምኻድ ኣካዳምያዊ ትምህርታ ዝፈለመት። ሓቀኛ በዓል ቤት ንምርካብ ብዙሕ

    ጻዕሪ ከምዝሓትት እትገልጽ ኣጋታ ክሪስት ንዓዲ እንግሊዝ ኣብ 1910’ያ ተመሊሳ። በቲ ግዜ ጽሑፍ ልማዳ ኰይኑስ ብዙሕ

    ትያትራትን ሓጸርቲ ዛንታታትን ጽሒፋ ነይራ። ‘Snow Upon the Desert’ እትብል ኖቨል ጽሒፋ ዘቕረበት ድሕሪ’ዚ’ዩ። እታ ፋልመይቲ መጽሓፍ ተቐቢሉ ዘሕትማ ኣሕታሚ ተቐብጸ። ካልእ መጽሓፍ ንኽትጽሕፍ ጥራይ ተማዕደት። በዚ ኣይወደቐትን። ንልበወለድ “The

    Mysterious Affair at Styles” ቅልጥፍ ኢላ ዛዘመታ። ካልኣይ ፈተናኣ’ውን መኻልፍ ረኸበ። ኣብቲ እዋን ይሕተም ንዝነበረ ቅዲታት ዘማልአት ብዘይምንባራ ብብዙሓት ኣሕተምቲ ተነጽገት። ‘ቦድለይ ሀድ’ ዝተባህለ ኣሕታሚ’ዩ ኣብ ድሕሪ ውረድ-ደይብ ዝተቐበላ። እቲ ትካል ከሕትማ ዝኽኣላ’ውን ኣብ ቅርጺን ፍጻመን እታ መጽሓፍ ድሕሪ ዝተገብረ ዕርርይ’ዩ። ብርቂ ዝዀነ ስነጽሑፋዊ ዕዮታት ዘፍረየት እምበኣር ከምዚ ካብ ዝኣመሰለ መበገሲ’ዩ።

    ትርጉም ሓዳር፡ ኣብ ምርካብ ዝሰማማዓካ በዓል ቤት ዝውሰን ምዃኑ እምንቶ ዝነበራ ኣጋታ ክሪስት፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት በዓል ቤታ ዝዀነ ኣርኪባልድ ቅድሚ ምልላያ ሰለስተ ፍቕራዊ ዝምድናታት ኣሕሊፋ። ምስ ኣርኪባልድ ኣብ 1914 ተመርዕያ። ኣጋታ ክሪስትን ኣርኪባልድ ድሕሪ 14 ዓመታት ብፍትሕ ተፈላልዮም። ኣብቲ ንጉዳይ ብሉጽ በዓል ቤት ኣመልኪታ ዘካየደቶ ጻዕሪ ‘ንሰበይቲ ዝበለጸ ሰብኣይ፡ ኣርኬሎጂስት(ተመራማሪ ስነጥንቲ)’ዩ’ ዝብል መደምደምታ ስለዝበጽሐት ድማ ኣብ 1930 ንኣርኬሎጂስት ማክስ ማሎዋን ተመርዕያ። ንሳ ምስ ማክስ ማሎዋን ኣብ 1976 ብሞት ክሳብ ትፍለ ጸኒሓ።ንሳ፡ ኣርኬሎጂስት ንሰበይቲ ዝበለጸ ሰብኣይ ብዛዕባ ዝዀነሉ ምኽንያት ተሓቲታ

    እንክትምልስ ‘ብጥንቲ ጥራይ ስለዝግደስ፡ እናኣረገት ክትከይድ ከላ ዝያዳ ዝግደሰላ ብምዃኑ’ ትብል።

    ማሕበራዊ ህይወት

  • ሓዳስ ኤርትራ 28 ለካቲት 2014 - ገጽ 6

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተል

    ሄም ታደሰ

    VACANCY ANNOUNCEMENT

    Yemen Airways – Asmara Invites qualified applicants for the following post in Our Company.Post: Quality & Safety Control Manager Education: BA degree in Business Administration or Equivalent Qualification: 1-Advanced Passenger Handling (IATA Standard) 2-Station Management (IATA Standard) 3-Safety and Quality Control Management (IATA Standard)As per IOSA requirement

    4-DCS Check-In procedure (SITA System) 5-Load Control, Type A320, A310 &A330 (Manual) 6-Automated Load Control (SITA System) 7-Airline Security (IATA Standard) 8-RAMP Safety (IATA Standard) 9-Dangrous Goods Handling (IATA Standard)Experience: 10 years working experience in Airline Industry & Airport Services.Place of work: Asmara International Airport –Yemenia Station Gender: Male Quantity: 01Age: 35-45Language Skill: Arabic language speaking & writing is preferable Interested applicants are required to submit their application form with CV and credentials to Yemen Airways Main office Asmara, within 10 days from the date of this announcement. Applicants must provide certificate of completion or exemption from National Service.N.B.- Only short listed applicants would be considered as potential candidates for an interview - Application documents will not be returned to applicant.

    FLY YEMENIA TO ROME EVERY MONDAY AND FRIDAY –VOLO YEMENIA PER ROMA OGNI LUNEDI E VENERDI

    ምልክታ ንኸፈልቲ ግብሪ ቴሌቪዥን

    ኩሉኹም ነባራትን ሓደስትን ናይ ውልቂ ይኹን ናይ ትካላት ወነንቲ ቴለቪዥን ኣብ ኩሉን 13 ምምሕዳራት ከባቢታት ዞባ ማእከል ከተማ ኣስመራ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ዞባታት ዝርከባ ከተማታት ዓዲ-ተከሌዛ፡ ከረን፡ ባረንቱ፡ ተሰነይ፡ ደቀምሓረ፡ መንደፈራ፡ ድባርዋ፡ ባጽዕ ዝርከባ ቤት ጽሕፈታት ጨንፈር ማርኬቲንግ ሚኒስትሪ ዜና ቀሪብኩም ዘለኩም ውንዙፍ ክፍሊት ይኹን ናይ 2014 ዓ.ም ዓመታዊ ግብሪ ቴለቪዥን ክትከፍሉ ብጥብቂ ንሕብር።

    ኣብ ከተማ ኣስመራ ንኹሎም ኣብ ሰዓታት ስራሕ ዘይጥዕሞም ሰራሕተኛታት ንምግልጋል ኩሉ ግዜ ቀዳም ቀዳም ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማርኬቲንግ ካብ ሰዓት 8፡00 ቅ.ቀ ክሳብ 12፡00 ምሉእ ኣገልግሎት ከምእንህብ ንሕብር።

    ሚኒስትሪ ዜና

    ምልክታ ጨረታኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ፎቶ ኮፕየርን ፕሪንተርን ብቑዕ ናይ ኣገልግሎት ጽገናን (service and maintenance) ዝህቡ ንሓደ ዓመት ኣወዳዲሩ ኽወዓዓል ስለዝደለየ፡ ግዱሳት ተወዳደርቲ ንጨረታ ይዕድም።

    ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም ረቛሒታት1. ፎቶ ኮፒ ናይ 2013 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ የቕርቡ።2. ንመኽበሪ ጨረታ 50,000.00 ናቕፋ ቸክ (C.P.O) የትሕዝ።3. ተጫረትቲ ዘይምለስ 100.00 (ሓደ ሚእቲ) ናቕፋ ብምኽፋል ሰነድ ሓበሬታ ይወስድ።4. ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 6/3/2014 ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ ዕለት 7/3/2014 ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ ተጫረቲ ወይ’ውን ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽቡሉ ይኽፈት።5. ደረጃ ክእለት/ብቕዓት ዝገልጽ ፎቶ ኮፒ።ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ብምምጻእ ወይ ብቁ.ስልኪ 08202671 ብምድዋል ምውካስ ይከኣል።ትካልና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

    ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ

    ንኻልኣይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ኣብ ቀረብ ተመሃሮ ዝውዕል፡01. ቀመማት በርበረኣወዳዲሩ ክዕድግ ግዱሳት ተጫረትቲ ይዕድም።ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም ረቛሒታት1. ፎቶ ኮፒ ናይ 2013 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ የቕርቡ።2.ንመኽበሪ ጨረታ ዝኸውን ዓይነት ቀረብ ንቀመም 30,000.00 ናቕፋ ቸክ (C.P.O) ኣትሒዞም የቕርቡ።3. ተጫረትቲ ዘይምለስ 100.00 (ሓደ ሚእቲ) ናቕፋ ብምኽፋል ሰነድ ሓበሬታ ይወስድ።4. ጨረታ ክሳብ 6/3/2014 ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ ዕለት 7/3/2014 ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ ተጫረትቲ ወይ’ውን ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽቡሉ ይኽፈት።5. ደረጃ ክእለት/ብቕዓት ዝገልጽ ፎቶ ኮፒ።ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ብምምጻእ ወይ ብቁ.ስልኪ 08202671 ብምድዋል ምውካስ ይከኣል።ትካልና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

    ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ

    ሓራጅ

    ኣብ መንጎ ብፍርዲ በዓል መሰል ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ ብፍርዲ በዓል ዕዳ ኣቶ መኣዘው ገጡ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ክርክር ኣብ ላ/ቤ/ፍ ዞባ ጋሽ ባርካ ባረንቱ ዋንነታ ናይ ብፍርዲ በዓል ዕዳ ዝኾነ መኪና ሚስቲቡሽ ዝዓይነታ፡ ብሓራጅ ንኽትሽየጥ ተኣዚዙ።በቲ ትእዛዝ መሰረት መኪና ሰሌዳ ቁጽራ ER-1-21433 ቁጽሪ ሞተረ 322485971 ሚስትቡሽ ዕጽውቲ 4 ጎማ ኣረጊት ምቕያር ዘድልዮ ብኪኢላ 170,000.00 (ሓደ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ) ናቕፋ ስለዝተገመተት፡ ብሓራጅ ክትሽየጥ ስለዝኾነት፡ ኣብ’ቲ ዝግበር ጨረታ ክሳተፍ ዝደሊ ቅድሚ ዕለተ ሓራጅ ዘሎ 5 መዓልታት ጀሚሩ ናይ ዝረቑሖ መጠን ገንዘብ ብዝተዓሸገ ሰታሪት ኣብ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ፍርዲ ዞባ ጎልጅ ሓራጅ ኣብ ዝተዳለወሉ ዕጹው ሳንዱቕ ኣታዊ ይገብር። ናይ ባንክ ተጠራቓሚ ሕሳብ ደብተር ሒዙ ብምቕራብ ክወዳደር ይኽእል።ዝቃወም እንተሎ፡ ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍ መአገዲ እንተዘየቕሪቡ ሓራጅ ምትግባር ኣየቋርጽን።ዕለተ ሓራጅ፦ 3/3/2014ሰዓት ሓራጅ፦ 9፡00 ቅ/ቀቦታ ሓራጅ፦ ኣብ መደበር ፖሊስ ጎልጅ

    ተወሳኺ ሓበሬታ ንዝደሊ ኣብ ቤ/ፍ ዞባ ጎልጅ መጺኡ ሰነድ ክውከስ ይኽእል። ወይ’ውን እታ መኪና ክርኢ ዝደሊ ኣብ መደበር ፖሊስ ጎልጅ ከይዱ ክርእያ ይኽእል።

    ዞባ ማእከል ኣስመራ

    ኢዮብ ዑቕባሚካኤል፡ ኣበባ ተስፋማርያም፡ ስም ኣደና ፍቓዱ ዘሙይ ካሳ ምባል ተሪፉ፡ ፍቓዱ ዘሚኪኤል ካሳ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ

    መጋባኣያ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ሄለን ተወልደ ሃብተስላሴ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ዮውሃንስ ሓድጉ ርስቱ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ን/ዞባ ሰረጀቓ (መቐርካ) ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ወርሒ 02/2010 ጀሚሩ ኣበይ ከምዘሎ ደሃይ ስለዘይብለይ፡ ናይ ጥፉእ ውሳነ ይወሃበኒ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ።

    ቅሳነት ኣብርሃም፡ ብሞግዚት ወላዲታ ፋኑስ በየነ ኣቢላ፡ ቅሳነት ኣብርሃም

    ገብረመስቀል ምባል ተሪፉ፡ ቅሳነት ኣብርሃም ገብረስላሴ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ርግኣት ኣስፍሃ ሃይለ፡ በዓል ቤተይ ብርሃነ በይን ገሹ ካብ 6/8/2000 ዓ.ም ካብ ገዛ ምስ ጠፍአ ደሃይ ስለዘይብሉ፡ ጥፉእ ምዃኑ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ብስራት ግርማይ ነጋሽ፡ ስም ኣደይ ኣስመረት ወልዱ ምራጭ ምባል ተሪፉ፡ ኣብረሀት ወልዱ ምራጭ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ማቲዎስ ይልማ ጸጋይን ተኸሰስቲ ወረስቲ ዘሚካኤል ሓምደ ባህልቢ 1.ወ/ሮ ጽጌሮማን ሚካኤል ሓነሽም 2.ቢንያም ዘሚካኤል ሓምደ 3.ሳባ ዘሚካኤል ሓምደ

    4.ገሊላ ዘሚካኤል ሓምደ 5.ቤተልሄም ዘሚካኤል ሓምደ 6.ኣድያም ዘሚካኤል ሓምደን ዘሎ ናይ ውዕል ጉዳይ ተኸሰስቲ ገሊላ ዘሚካኤል፡ ቤተልሄም ዘሚካኤል፡ ኣድያም ዘሚካኤል ተጸዊዖም ን18/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

    ዓብዱሰላም ዓብደላ፡ ንተጸዋዒት ወ/ሮ ጅምዓ ኣደም ኢድሪስ ዝሃብክዋ ውክልና ይሰረዘለይ ስለዝበላ፣ ተጸዋዒት ካብ ዘላቶ ን24/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ትቕረብ። እንተዘይቀሪባ ኣብ ዘየለወትሉ መስርሕ ዳንነት ከምነካይድ ነፍልጥ።

    ሩታ ተኸስተ ገብረመድህን ምባል ተሪፉ፡ ሩት ተኸስተ ገብረመድህን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኣብ መንጎ ከሰስቲ ኣቶ ተስፋኣለም ገ/ሚካኤል ዓንደ +1 ተኸሰስቲ ወ/ሮ ኣለም ፍስሃየ፡ ነፍ/ንግስቲ ፍስሃየ 1.ኣቶ ገረዝግሄር ሃይለ ኣብርሃም 2.ኣቶ ሳሙኤል ሃይለ ኣብርሃም 3.ወ/ት ፍዮሪ ሃይለ ኣብርሃም 4.ኣቶ ነጸራኣብ ሃይለ ኣብርሃም 5.ሮቤል ሃይለ ኣብርሃም ብዘሎ ጉዳይ፡ መሸጣ ገዛ ተኸሳሲ ቁ.2 ኣቶ ሳሙኤል ሃይለ ኣብርሃም ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሎም ን18/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 7ይ መጋባኣያ ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ቤ/ፍ ንሶም ኣብዘየለውሉ ኣድላዪ ውሳነ ክህብ ምዃኑ የፍልጥ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 28 ለካቲት 2014 - ገጽ 7

    ብሞት ኣዚና እነፍቅሮ ወድና ሙልጌታ ፍቕረማርያም ገብረኺዳን ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ካብ ሃገረ ጀርመን ሬሳ ናብ ኣስመራ ብምልኣኽ ዝተሓጋገዝኩምና ተቐማጦ ሃገረ ጀርመን ካብ ኣስመራ ንዓዲ ባሕሮ ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ፈተውትን ቤተሰብን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    ኣበኡ ኮ/ፍቕረማርያም ገብረኺዳን ኣደኡ ኣበባ ተስፋማርያም ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት ኣዚና እንፈትዎን እነፍቅሮን ሓውና ኣቶ ምሕረትኣብ ተኽለሃይማኖት ገብሪሂወት፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ካብ ግዜ ሕማሙ ኣትሒዝኩም ኣብ ሆስፒታል ዝተመላለስኩም፡ ሬሳ ኣብ ምልኣኽ ገንዘባውን ጉልበትኩምን ሓገዝኩም ዘወፈኹም ከምኡ’ውን ሬሳ ኣብ ምቕባልን ክሳብ ዓድና ዓዲ ጀኑ ዞባ ደቡብ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛና ብምምልላስን ቴሌፎን ብምድዋልን ዘጸናናዕኩምና ፈተውትን ቤተሰብን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሃንደበታዊ ሞት ክብርቲ ኣደናን ሓፍትናን ወ/ሮ ምንታ ተላ ኪዳኑ፡ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ሽማንጉስ ታሕታይ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ገዛና ብኣካል መጺእኩም ዘጸናናዕኩምና፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ስልኪ ብምድዋል ተኻፈልቲ ሓዘንና ዝኾንኩም ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ብኣኽብሮት ንገልጽ።

    ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ግራ/ሃብተማርያም ተኸስተ ኣውዓሎም፡ ዝተሰማዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ገዛን ሆስፒታልን ዝተመላለስኩም ኣብ ዓዲ ገረሚ ዘቃበርኩምናን ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋልን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ዘጸናናዕኩምናን ፈተውትን ቤተሰብን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ለተዝጊ መብራህቱምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት እነፍቅሮ ክቡር ኣቦና ወላዲና ኣቶ መንግስትኣብ ሃይለ ዘወልዲ፡ ኣብ ኣስመራ ጸጸራት ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛ እናተመላለስኩምን ተሌፎን ካብ ውሽጥን ወጻእን እናደወልኩምን ዘጸናናዕኩምናን ኩሉኹም ቤተሰብን መሓዙትን ፈተውትን የቐንየልና ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ።

    በዓልቲ ቤቱ መድህን ዓንደማርያም ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት ኣዚና እነፍቅራ ሓብትናን ኣደናን ርሻን ተኪኤ ባህሩ፡ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ዕረፍታ ኣብ ከረን ዘቃበርኩምና ገዛና ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    ሓዋ ጸሃየ ተኪኤ ባህሩ ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት ኣዝየ ዘፍቅሮ በዓል ቤተይ ክፍላይ መብራህቱ ጻድቕ፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ከባቢኣን ከምኡ’ውን ተቐማጦ ጀርመን ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ሬሳ ብምልኣኽ ዝተሓባበርኩምናን ኣብ ኣስመራ ሬሳ ዝተቐበልኩምናን ኣብ ዓድና ዓዲ ሰግዶ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛ መጺእኩም ብተሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ፈተውትን ኣዕሩኽን ስድራቤትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣማረሽ ያቖብደቃን ምስ ኣሕሞትሙተይን

    ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት ብልቢ ዝፈትዎን ዘፍቅሮን ክቡር በዓል ቤተይ ነ/ሄር ተኽለማርያም ገብረሚካኤል ተስፉ (ወዲ ሓኪም)፡ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ደንማርክ ዝተመላለስኩምን፡ ሬሳ ብምፍናው ዝተሓባበርኩምን፡ ካብ ስዊድን ዝተሓባበርኩምና ስድራቤትን፡ ኣብ ኤርፖርት ሬሳ ዝተቐበልኩምን ክሳብ ላዕላይ ዓዛርና ብምኻድ ዘቃበርኩምናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገዛና ብኣካልን ብተሌፎን ዘጸናናዕኩምናን፡ የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንሕብር።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣመተ ተስፋዝጊ ተኽለምስ ሰለስተ ደቁን ምሉኣት ስድራ-ቤቱን

    ብሞት ኣዚና እነፍቅራ ክብርቲ ወላዲት ኣደና ወ/ሮ ኣብርሀት ቀሺ ገ/የሱስ ሰለሙን (በዓልቲ ቤት ንነ/ሄር ሚኪኤል መንገሻ) ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ሽማንጉስ ላዕላይ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ተመላሊስኩም ዘተሓዘንኩምናን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    ደቀን ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤትን

    ብምኽንያት ሞት እነፍቅሮ ወድናን ሓውናን ሄኖክ በራኺ ተወልደ (ኣቺ)፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ዘቃበርኩምና፡ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብ፡ ፈተውቲ፡ ኣዕሩኽቱን መሳርሕቱን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    ወላዲቱ ወ/ሮ ለትኣብ ኪዳነ መብራህቱ ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት ኣዝየ ዝፈትዋን ዘፍቅራን በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ጸጋ ሃብተ ወልደሃዋርያት ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ግዜ ሕማማ ዝበጻሕኩማን ሬሳ ኣብ ምፍናው ኣብ ስነ-ስርዓት ቅዳሴ ኣብ ጀርመን (ኮለን) ዝተሳተፍኩምን ከምኡ’ውን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐቢልኩም ክሳብ ዓዲ ተከሌዛን ዘቃበርኩምናን ብኣካልን ብተሌፎንን ዘጸናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና እናመስገንና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንሕብር።

    በዓል ቤታ ቃልኣብ ፍስሃየን ደቁንምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሃንደበታዊ ሞት ኣዝየ ዘፍቅሮን ዝፈትዎን ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ሳሚኤል ተስፋኣቢብ (ወዲ ኣቢብ)፡ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ሬሳ ኣብ ምልኣኽ ዝተሓባበርኩምና ኣሕዋት ተቐመጥቲ ጁባን ግብጽን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብኣካል ብምምልላስን ተሌፎን ብምድዋልን ዘጸናናዕኩምናን ብልቢ እናመስገንና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከም ዝዓጸና ብኣኽብሮት ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣርሴማ ኢያሱወላዲቱ ወ/ሮ ግደይ ኢያሱ ምስ ደቁን ምሉኣት ስድራ-ቤትን

    ብሞት ኣዝየ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ልያ መንግስቱ ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ግዜ ሕማማ ኣብ ኣሜሪካ ብፍላይ ከተማ ቦስቶን ኣብ ሆስፒታል ዘሐከምዋን ካብኣ ከይተፈልዩ ዝኣለዩዋን ቤተሰብን ፈተውትን፡ ኣስመራ ምስ መጸት’ውን ኣብ ገዛን ሆስፒታልን ብፈተውትን መሓዙትን ከምኡ’ውን ናይ ጥዕና ሰብ ሞያን ዝተገብረላ ምብጻሕን ክንክንን ኣዚና እናመስገንና፡ ኣብ ግዜ ዕረፍታ’ውን ኣብ ጸጸራት ዘቃበርኩምናን፡ ብባንክ ኣባይትን ንግድን ከምኡ’ውን ብሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራን ፈተውትን ዝተገብረልና ኣገባብን፡ ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ወጻኢ ሃገራት ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ኣሕዋትን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓል ቤታ ምስግና ነማርያምምስ ደቁን ምሉኣት ስድራ-ቤትን

    ብምኽንያት ዕረፍቲ ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ኣንገሶም ገብረሚካኤል፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማም ብምምልላስ ዝበጻሕኩምና ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ዝተሓባበርኩምናን ሬሳ ንምልኣኽ ዝተሓጋገዝኩምናን ተቐማጦ ቦሎኛን ከባቢኣን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ጥልያን ፈተውትን ኣሕዋትን ኣብ ዓዲ ዘቃበርኩምናን ቤተሰብን ኣሕዋትን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ሮማ ቀሺ ያሬድምስ ደቆምን ምሉኣት ስድራቤትን

  • ሓዳስ ኤርትራ 28 ለካቲት 2014 - ገጽ 8

    ዓንዶም ጸጋይ

    ሓደ ካብ ዓይነታት ሙዚቃ ዝኾነ ሙዚቃዊ ቅዲ ጃዝ መበቆሉ ኣመሪካ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ኣብታ ቅድሚ ኣስታት 6 ዓመታት ብህቦብላዊ ማዕበል ካትሪና ዝተሃሰየት ከተማ ኒው ኣርሊን ዝተጀመረ’ዩ። ሙዚቃዊ ቅዲ ጃዝ ኣብ ምዕራባዊ ሙዚቃ ቴክኒክን ክልሰ ሓሳብን ዝተሰረተ ኮይኑ፡ በቲ ግዙፍ ኣበርክቶ ኣፍሮ - ኣመሪካውያን (ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን) ከኣ ዝያዳ ይለለ። ‘ክላሲካዊ ሙዚቃ ኣመሪካ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጃዝ ካብቶም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ካልእ ክፋል ኣፍሪቃን ዝበቖሉ ያታታትን ኤውሮጳዊ ወተሃደራዊ ሙዚቃን ዝተሓናፈጸ ሱር ከምዘለዎ መዛግብቲ ታሪኽ የረጋግጹ። ብተወሳኺ ያታዊ ቅዲ ሙዚቃ ዝኾነ ጃዝ ኣብ መዘናግዒ ክፍልታት ዝተጀመረ ምንባሩ ይንገር።

    ጃዝ

    ሙዚቃዊ ቅዲ ጃዝ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ብኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ሓጺር እዋን

    ተፈታውነቱ ክብ ክብልን ኣብ 1920ታት ድማ ኣህጉራዊ ተፈላጥነቱ ክዓዝዝን ከኣለ።

    - ናይ ሓደ እኹል ሰብ ጸጉሪ ርእሲ ብቑጽሪ ካብ 100,000 ክሳብ 150,000 ኣቢሉ ይበጽሕ።- ብማእከላይ ገምጋም ናይ ሓንቲ ጸጒሪ ርእሲ ዕድመ፡ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ

    ሸውዓተ ዓመት ይበጽሕ።- ካብ ሓደ እኹል ሰብ መዓልታዊ ካብ 100-120 ዝበጽሑ ጸጉሪ ይረግፉ።- ሓንቲ ጸጉሪ ርእሲ ክትረግፍ እንከላ ካልእ ኣብ ቦትኣ ትበቁል። እዚ መስርሕ’ዚ

    ኣብ ህይወትና ልዕሊ 25 ግዜ ይደጋገም።- ፍጡራት ዝውንኑዎ ጸጉሪ ዝተፈላለየ (ጸሊም፡ ቡናዊ፡ ጻዕዳ) ሕብርታት

    ዘለዎ ኮይኑ ሰባት ስለምንታይ ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎ ጸጉሪ ክህልዎም ከምዝኸኣለ ኣይፍለጥን’ዩ።- ጸጉሪ ርእሲ ብዝተፈላለዩ ቫይረሳት ክጥቃዕን ክሓምምን ይኽእል’ዩ።

    ሓቅታት ብዛዕባ ጸጉሪ ርእሲ

    ሕ ማ ም ርእሲ፡ ቃንዛ ናይ ርእሲ፡ ክ ሳ ድ

    ከምኡ’ውን ርእስና ጽቡቕ ምስ ዘይስምዓና ዝህሉ ናይ ሕማም ምልክት ማለት’ዩ። መበገሲ ሕማም ርእሲ ብልክዕ ፍሉጥ’ኳ እንተዘይኮነ መብዛሕትኡ እዋን ሕማም ርእሲ ምስ ናብራ ማሕበራዊ ህይወትናን ምንቕስቓሳትናን ምትእስሳር ከምዘለዎ ክኢላታት ይገልጹ።ከም ሓበሬታ ክኢላታት እዚ

    ዓውዲ፡ ሕማም ርእሲ ኣብ መንኮብና፡ ኣብ ክሳድናን ኣብ ከባቢ ግንባርናን ዝርከብ ጭዋዳታት ምስ ዝጨባበጥ’ዩ ዝፍጠር። ገለ ካብ ጠንቒ መበገሲ ሕማም ርእሲ ተባሂሎም ዝግለጹ፡ ጭንቀት፡ ጸቕጢ፡ ብዝሒ ሃልኪ ዘለዎ ስራሕ፡ ግቡእ ዕረፍቲ ዘይምርካብ፡ መስተን ሓሽሽን ምዝውታርን ካልእን የጠቓልል። ብዘይካ’ዚ ብሰዓልን ካልኦት ብቑሪ ኣብ ዝኽሰቱ ሕማማት ሕማም ርእሲ ክረአ ይኽእል’ዩ።ሕማም ርእሲ ከከም ደረጅኡ

    ሕማም ርእሲ

    ኣብ ብዙሕ ክ ኽ ፈ ል ይኽእል’ዩ። ሳ ይ ነ ስ ፡ ክ ላ ስተር ፡ ማይግረይን ገለ ካብቶም ዝውቱራት

    ዓይነታት ሕማም ርእሲ ኢዮም። ዕድመ ምድፋእ ዝኣመሰሉ ባህርያውያን መንገድታት ክመጽእ ዝኽእል ሕማም ርእሲ መብዛሕትኡ እዋን ሸለል ዝበሃል ዓይነት ሕማም እኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ክኢላታትን ግን ሕማም ርእሲ ሸለል እንተተባሂሉ ክሳብ ስንክልና ዘብጽሕ ጉድኣት ከስዕብ ከምዝኽእል’ዮም ዝመኽሩ።ሕማም ርእሲ ንምፍዋስ ዝተፈላለዩ

    ከም ፓናዶል፡ ፓራሲታሞል፡ ኣስታሚናፊን ኣስፕሪንን ዝኣመሰሉ ከኒናታት ክውሰዱ ይኽእሉ’ዮም። እንተኾነ ከም ዮጋን ካልእ ህዱእ ምንቕስቓስን ንሕማም ርእሲ ክፍውሱ ዝኽእሉ ዝበለጹ መንገድታት ከምዝኾኑ ሓካይም ይሕብሩ። ከም ፓናዶልን ኣስፕሪንን ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ምውሳድ ብልክዕ ነዚ ሕማም ክፍውሱን ከዕግሱ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ ኣካላትና ክለምዶም

    ስለዝኽእል ንተደጋጋሚ ሕማም ርእሲ ክፍውሱ ከምዘክእሉ’ዮም ሓበሬታ ሓካይምን ዘረድእ።

    ኢንዞ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ብዙሕ ስራሕ እኳ እንተፈተነ ከምቲ ዝብህጎ ክዕወት ኣይከኣለን። በዚ ብዙሕ ክበሳጮን ‘ኣብ ህይወት ዝርከብ ዓወት ብኸመይ’ዩ? ዝብል ንነብሱ ብምሕታት ከዋጥራን ጀመረ። ንነዊሕ እዋን መልሲ ንምርካብ እኳ እንተተጋደለ ዘዕግቦ መልሲ ግን ክረክብ ኣይከኣለን። ኣብ ከምዚ ዝኣመስለ ኣጋጣሚ ነብሱ ኣዋዲቑ ብሓሳብ ተዋሒጡ ኣብ ዝጉዓዘሉ ዝነበረ እዋን ሓደጋ መኪና ገጠሞ’ሞ ኣብ ሕክምና ክድቅስ

    ኢንዞ ኣብ መንገዲ ዓወትተገደደ። ኣብ ሕክምና ኣብ ዝደቀሰሉ እዋን’ውን ነዛ ሕቶ ንምምላስ ካብ ሓሳብ ኣየቋረጸን። ድሕሪ ነዊሕ እዋን ግን ንሰብ ክሓትት ወሰነ’ሞ ኣብ ጐድኑ ደቂሶም ዝነበሩ ወዲ 70 ዓመት ኣቦ ተወከሶም። ‘ኣቦ ኣነ በዛ ሕቶ’ዚኣ ነዊሕ ሓሲበ መልሲ ክረክብ ኣይከኣልኩን፡ ትርጉም ዓወት ህይወት እንታይ’ዩ’ ክብል ሓተቶም። እቶም መስተውዓሊ ኣቦ ድማ፡ ‘ዝወደይ

    ነዛ መልሲ ንምምላስ ነዛ ገዛ ብዙርያኣ ተዓዘባ’ሞ መልሲ ክትህበካ’የ’ በሉዎ። ኢንዞ ነታ ዝነበራ ክፍሊ ንንውሕ ዝብለ ግዜ ብኣድህቦ ጠመታ’ሞ፡ ‘ኣቦ ኩሉ ነገር ኣስተውዒለ ተዓዚበ ግን ምንም መልሲ ኣይረኸብኩን’ ክብል መለሰሎም።እቶም ኣቦ ኣብ መወዳእታ፡ ‘በል

    ዝወደይ ሱቕ ኢልካ ስማዕ፡ ኣብ ህይወት ዝርከብ ዓወት ንምጉንጻፍ ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ነገራት ዝብሉኻ እዚ’ዩ’ ንገዛኻ ናብ ዝኸደነ ዚንጎ ጠምት፡

    ኣርሒቕካ ሕሰብኪንዮ መስኮት ገዛኻ፡ ንዓለም

    ብኣድህቦ ተመልከትግዜኻ ብግቡእ ተጠቐም፡ ግዜ ወርቂ’ዩ

    ብኸንቱ ግዜ ኣይተባኽን።ዓውደ ኣዋርሕ ርኢኻ ወትሩ ምዕባለ

    ኣርኢ - ጠጠው ኣይትበል።መስትያት ርአ - ቅድሚ ዝኾነ

    ተግባር ምፍጻምካ ኣንጸባርቕመብራህቲ፡ ወትሩ ዓቕምኻ ዘበለ

    ፍሽኽታ ኣዘውትር።መንደቕ፡ እንታይነትካ ኣጽንዕ፡

    ብነብስኻ ደው በል።ክብሉ ምንጪ ዓወት ህይወት

    ንምፍላጥ ወትሩ ዙርያኻ ብጥበብ ብምስትውዓል ከምዝርከብ ብሜላ ኣረድኡዎ።ምንጪ፡ Motivationalstroeis.com

  • Teklehaimanot Yemane

    Art Is a Reflection of LifeArt is both a product and a process. In art we deliberately arrange symbolically significant items. The way we arrange items influences and affects one or more of our senses, emotions, and intellect. Art includes a diverse range of human activities, creations, and modes of expressions. Modes of expressions including music, literature, film, photography, sculpture, and paintings are all forms of art. The branch of philosophy that explores the meaning of art is called Aesthetics and art at a general sense is a reflection of our life. Art is related with humans and generations. This relationship is analyzed by the disciplines (fields of studies) such as Anthropology, Sociology and Psychology.The intention of art is to stimulate our ability of thinking and our emotions. And of course it does so. A Greek philosopher, Aristotle, defined art as mimesis or representation. A German philosopher, Martin Heidegger, however, have recently influenced many thinkers to interpret art as

    the means by which a community develops for itself a medium for self-expression and interpretation. In short art is a medium where we express ourselves and our understanding of the universe we live in. Therefore art is a reflection of life in general. Yet, the meaning and purpose of some works of great artists are far to discover and comprehend. This is because they are the reflection of the depth of their thoughts. But what is the purpose of ART? As said by Aristotle, imitation (replication of a thing or an idea) is one instinct of human nature. Unlike the other species of animals, art is creativity in which humans

    The Idea of CKC is interesting and definitely necessary. This will help our kids much beyond understanding words and improving the reading skills. It will help them to sharpen their thoughts and motivate them to ask the unasked question. But, it seems a bit difficult to kids, especially to students of elementary schools. So my suggestion is that the authors to keep these kids in mind and at the same time I suggest parents to help their kids in reading the stories in this column.

    _Abraham, From Eritrea Institute of Technology: Thursday, 20 February 2014

    Many of our impressed readers of this new column especially kids if we can include some vocabulary tips here. For today we are including the meaning of the word CLARITY based on ‘Oxford Advanced Learner’s Dictionary, 8th edition’. Clarity - noun:

    1. The quality of being expressed clearly

    Example: a lack of clarity in the law. The brilliant clarity of his argument could not be faulted.

    2. The ability to think about or understand something clearly

    Example: clarity of thought/purpose/vision

    It is hard to reveal hidden dreams of kids. But the good thing is that it is still possible to unlock the hidden potential of a kid with a careful observa-tion and committed follow up of parents and teachers. On Tues-day evening I was talking with a demotivated kid about how he is wasting his golden time of life and living. Grownup in a home without defined discipline for living, he almost wanders here and there with little or no pur-pose. Then I asked him if he has any kind of DREAM. ‘Boy, what is your dream? What do you what to do in the life ahead of you?’ I tried to make my ques-tion as clear as possible. Unlike many of the other days, on that evening, I noticed one thing – the kid has got a dream. He wants to be someone sometime in the future. And then, with a low voice, he said, ‘I wonder how the car engine works. It is all the world of my excitement.’ The kid’s dream is to be a Me-chanical Engineer. Isn’t it?

    _ Solomon: From Debarwa Junior School.

    PART III - ClarityBaHru has already learnt the secret of love and self-belief. But his confused world didn’t help him identify the way he should go. He does not have a clear mission of accomplishment. Confusion has become a barrier to his dreams. One sweet morning he checked his bag of sweet New Year bells. There he saw the third bell – the bell of clarity. ‘Ding-dong…ding-dong… hooray! Things will be clear - flawless like clarity itself very soon’, he thought. On his midnight dreams, BaHru noticed, Professor Tek, one of the ten psychologists who came to help him coming close to him and saying, ‘My boy, you have been disappointed by the life you passed already, but the beauty is that through disappointment you can gain clarity, and with this clarity comes conviction and true originality. We are trying to help you see your true self. I mean the original BaHru. Irrespective of the past, believe me the future is yours. You will be glowing like the sunrise.” And professor continued, “BaHru, I will ask you one question, which is very simple and I will need your insightful response: What in the world has impressed you so far?” BaHru started to think deeply. Yet,

    it was hard to see impressive things. If he was to look, he had to look his past and all his past is full of pain and suffering. How could he see impressive things? Looking directly into the eyes of Prof. Tek, BaHru started to talk, “My teacher,” and paused,

    “can I call you my teacher? I have a unique love towards my teachers. And I think all of you who have come to my birthday party are my teachers.” Prof. Tek interrupted him and said, “BaHru, it is my pleasure. Please call me my teacher. My dream is to be a great teacher in the future.” BaHru continued, “Okay my teacher, I know nothing in the world. It is because I have never being exposed. You see, how can I be impressed if I have seen and known nothing so far? As per now, I believe exposure is a big teacher. Through exposure, I would have come to see the good and the bad. And through the advice

    An Expedition to BaHru (ባሕሩ) of great teachers like you I would have learnt the true meaning of intentions. I could have judged like: this is good and that is bad; I would be impressed for something and disgusted another thing. It is exposure I am missing. In a little room of confinement, I could only be confused as a tourist would be lost without a skilled tour-guide. It is like I am in the middle of my journey and my compass is misleading me. I would be impressed if you and your colleagues could be my compass, my role models … my idols – I think these are all the same.”Professor Tek was stunned by the reply of BaHru. And from that time onward he called BaHru as, ‘The Little Professor of Philosophy’. This is now his nickname. Then the ten psychologists agreed to take BaHru to wide variety of exposures that includes site visits to wondrous places, tour of thoughts and to introduce him with a number of philosophers of the old the modern times. At the end of the physical, mental and spiritual exposures, definitely BaHru will come up with clear definition of his identity. BaHru will understand that clarity is the counterbalance of profound thoughts. Filled with a profound sense of excitement, “Now I am impressed,” said BaHru at the end.

    ***

    must do by their very nature. Motivated purposes of art refer to intentional, conscious actions on the part of the artist or creator. At its motivated purpose, art may be used to bring about societal change, to comment on an aspect of society, to convey a specific emotion or mood, to address personal psychology, to illustrate another discipline. With commercial art, it can be used to sell a product, or simply art can be used as a form of communication. After all art is a reflection of life. Dear kids, what about you? What do you dream of the art dwelling in you?

  • ሓዳስ ኤርትራ 28 ለካቲት 2014 - ገጽ 10

    • ንኹሎም ፍልስፍናታት ምንጻግ ንባዕሉ ፍልስፍና እዩ

    ፍልስፍና ንምስጢራት ህላወን ክውንነትን ንምርዳእ ዝሓትት መጽናዕቲ’ዩ። ንባህርይ ሓቅን ፍልጠትን ክድህስስ ይፍትን። ንመሰረታዊ ክ�