50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19...

12
መበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን ገጽ 3 ሕቡእ ታሪኽ ወራር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ገጽ 5 ውላድ’ዩ ባህገይ ገጽ 7 ቁሸት ገድሊ ኣብ ቁሸቱ ገጽ 4 “ጠሊመ ድየ” – ዓስቢ ኰይናትኒ 2013 ሓሙስ ብምትሕብባር ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራን ‘ኣልባሰር’ ዝተባህለ ጉጅለ ሱዳናውያን ሓካይም ዓይኒን፡ ካብ 14 ክሳብ 17 መስከረም ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ብርሃን ዓይኒ - ኣስመራ ብዝተሰላሰለ መደብ፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ማእከል ንዝመጹ 500 ናይ ዓይኒ ጸገም ዝነበሮም ዜጋታት መጥባሕቲ ተኻዪዱ። ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝያዊ ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጼን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዑረት ንምጥፋእ ሰፊሕ ጻዕሪታት ከካይድ ከምዝጸንሐን ይቕጽሎ ከምዘሎን ብምሕባር፡ እዚ ምስ “ኣልበሰር” ዝተባህለ ጉጅለ ሱዳናውያን ሓካይም ዝተዋህበ ጥዕናዊ ኣገልግሎት፡ ጥዕና ዜጋታት ብሓፈሻ ንምውሓስ ንዝወጸ መደባት ኣብ ምቅልጣፍ ኮነ ምልውዋጥ ተመኵሮ ተራ ከምዘለዎ ኣብሪሁ። ካብ ሓካይም ‘ኣልበሰር’ ዶክተር ኣልሰመውአል መሓመድ ብወገኑ፡ ናብ ኤርትራ ዝመጽእ ዘሎ ሕጂ ንካልኣይ ግዜኡ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሳርሒ ሕክምና፡ ተወፋይነት ኤርትራውያን ክኢላታትን መንግስቲ ዝኽተሎ ኣገባብን ኣብ ውጽኢታውነት ስርሖም ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ገሊጹ። ካብ ጸዓዘጋ ዝመጸት ወይዘሮ ወይኒ ካሕሳይ፡ ንትሽዓተ ዓመት ብርሃን ዓይና ስኢና ከምዝነበረት፡ ብዝተገብረላ መጥባሕቲ ግና ክትርኢ ከምዝበቕዐት ብምሕባር፡ ስለ’ቲ ብናጻ ዝረኸበቶ ኣገልግሎት ኣመስጊና። ንሳላሳ ዓመታት ተመሪሑ ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ዝሓበረ ነባሪ ድርፎ ኣቶ እድሪስ ፈረጅ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰዓታት መጥባሕቲ ጌሩ ክርኢ ምኽኣሉ በቲ ሓደ፡ ብናጻ ምዃኑ ድማ በቲ ካልእ ከምዘሐጎሶ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ንራህዋ ዜጋታቱ ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ መጒሱ። በቲ መደብ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ጥራይ ን4 ሽሕ ካልኦት ሓፈሻዊ መርመራን ኣስመራ፡ 500 ዜጋታት መጥባሕቲ ዓይኒ ተኻዪዱሎም ትማሊ 18 መስከረም ኣጋ ፍርቂ ፍርቂ መዓልቲ - ሰዓት 12፡ 4 ደቒቕን 23 ካልኢትን ኣብ ባጽዕ፡ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ዝተሰምዐ 5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ባጽዕን ኣስመራን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተሰሚዑ ተኸሲቱ። ሕምብርቲ ናይ’ቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ 67 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ካብ ኣስመራ፡ ካብ ባጽዕ ድማ 18 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 10 ኪሎ-ሜተር ዕምቈት ከምዝነበሮ ተፈሊጡ። ሓይሊ ናይቲ ምንቅጥቃጥ፡ ካብ’ቲ ኣብ 2002 ዝተኸስተ ተመሳሳሊ ተርእዮ ከምዝብርትዕ፡ ክኢላታት’ቲ ዓውዲ ንኤሪና ሓቢሮም። በቲ ባህሪያዊ ሓደጋ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ፡ እንተኾነ ግን ህዝቢ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር፡ እቶም ክኢላታት ሞያዊ ምኽሮም ለጊሶም ኣለዉ። እቲ ክስተት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ሃገራት ቺለ፡ ቱርኪ፡ ኣርጀንቲና፡ ኣልባንያ፡ ኢንዶነዥያ፡ ደሴታት ፎክስን ኣሉትያንን፡ ሪፓብሊክ ዶመኒካን፡ ደቡባዊ ኢጣልያ፡ ግሪኽ፡ ቦሊቭያ፡ ደሴታት ሰለሙንን ዞባ ታይዋንን ከምዘጋጠመ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መርበባት ሓበሬታ ዝተርዘርግሐ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል፡ ን10 ኣዋርሕ ብቕዲ ክዳንን ሲንጀርን ዘሰልጠኖም 47 ተመሃሮ ኣመሪቑ፣ ብ3 መስከረም ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ሓላፊት መሰልጠኒ ኮማዊ ማእከል ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወይዘሮ ጅምዓ መሓመድኑር ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እቲ ማእከል ዛጊት ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ጽጉማት ተመሃሮ ኣሰልጢኑ ከምዘመረቐ ብምምልካት፡ እዚ ኣካል ናይቲ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ሰልጠንቲንዝቐሰምኦሞያ ብስራሕ ከማዕብልኦ ኣዘኻኺራ፣ ካብ ተመረቕቲ መንእሰይ ሳልሕ መሓመድን ወይዘሪት ትዕግስቲ ኣሴርን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ በቲ ስልጠና ዝቐሰምዎ ሞያ ኣብ ሂወቶም መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ስለዝኾነ፡ ብስራሕ ከማዕብልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፣ “ሞያ ዘይበርስ ሃብቲ’ዩ” ዝበለት ካብ ተመረቕቲ ወይዘሮ ንግስቲ ሓድጉ ብወገና፡ እቲ ስልጠና ኣካል ናይ’ቲ መንግስቲ ማሕበረ-ቚጠባዊ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ብምምልካት፡ እቲ ስልጠና ስፍሓትን ቀጻልነትን ክህልዎ ተላብያ፣ ዞባ ማእከል፡ ብቕዲ ክዳንን ሲንጀርን ዝሰልጠኑ 47 ተመሃሮ ተመሪቖም ፍወሳ ዓይኒ ከምእተኻየደ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ሱዳናዊ ጉጅለ ሓካይም ዓይኒ ‘ኣልበሰር’ ካብ 6 ክሳብ 12 መስከረም ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ ን3 ሽሕን 500ን ሕሙማት ብምርኣይ፡ ን460 መጥባሕቲ ከምዘካየደ ይዝከር።

Upload: others

Post on 03-Mar-2021

4 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

መበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 10ሻህን ጥቕሙን

ገጽ 3ሕቡእ ታሪኽ ወራር

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ

ገጽ 5ውላድ’ዩ ባህገይ

ገጽ 7

ቁሸት ገድሊ ኣብ ቁሸቱ

ገጽ 4

“ጠሊመ ድየ” – ዓስቢ ኰይናትኒ20

13

ሓሙስ

ብምትሕብባር ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራን ‘ኣልባሰር’ ዝተባህለ ጉጅለ ሱዳናውያን ሓካይም ዓይኒን፡ ካብ 14 ክሳብ 17 መስከረም ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ብርሃን ዓይኒ - ኣስመራ ብዝተሰላሰለ መደብ፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ማእከል ንዝመጹ 500 ናይ ዓይኒ ጸገም ዝነበሮም ዜጋታት መጥባሕቲ ተኻዪዱ።ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝያዊ ሓላፊ

ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጼን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዑረት ንምጥፋእ ሰፊሕ ጻዕሪታት ከካይድ ከምዝጸንሐን ይቕጽሎ ከምዘሎን ብምሕባር፡ እዚ ምስ “ኣልበሰር” ዝተባህለ ጉጅለ ሱዳናውያን ሓካይም ዝተዋህበ ጥዕናዊ ኣገልግሎት፡ ጥዕና ዜጋታት ብሓፈሻ ንምውሓስ ንዝወጸ መደባት ኣብ ምቅልጣፍ ኮነ ምልውዋጥ ተመኵሮ ተራ ከምዘለዎ ኣብሪሁ።

ካብ ሓካይም ‘ኣልበሰር’ ዶክተር ኣልሰመውአል መሓመድ ብወገኑ፡ ናብ ኤርትራ ዝመጽእ ዘሎ ሕጂ ንካልኣይ ግዜኡ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሳርሒ ሕክምና፡ ተወፋይነት ኤርትራውያን ክኢላታትን መንግስቲ ዝኽተሎ ኣገባብን ኣብ ውጽኢታውነት ስርሖም ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ገሊጹ።ካብ ጸዓዘጋ ዝመጸት ወይዘሮ

ወይኒ ካሕሳይ፡ ንትሽዓተ ዓመት ብርሃን ዓይና ስኢና ከምዝነበረት፡ ብዝተገብረላ መጥባሕቲ ግና ክትርኢ ከምዝበቕዐት ብምሕባር፡ ስለ’ቲ ብናጻ ዝረኸበቶ ኣገልግሎት ኣመስጊና።ንሳላሳ ዓመታት ተመሪሑ

ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ዝሓበረ ነባሪ ድርፎ ኣቶ እድሪስ ፈረጅ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰዓታት መጥባሕቲ ጌሩ ክርኢ ምኽኣሉ በቲ ሓደ፡ ብናጻ ምዃኑ ድማ በቲ ካልእ ከምዘሐጎሶ ብምግላጽ፡ መንግስቲ

ንራህዋ ዜጋታቱ ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ መጒሱ።በቲ መደብ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ጥራይ

ን4 ሽሕ ካልኦት ሓፈሻዊ መርመራን

ኣስመራ፡ 500 ዜጋታት መጥባሕቲ ዓይኒ ተኻዪዱሎም

ትማሊ 18 መስከረም ኣጋ ፍርቂ ፍርቂ መዓልቲ - ሰዓት 12፡ 4 ደቒቕን 23 ካልኢትን ኣብ ባጽዕ፡ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ዝተሰምዐ 5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ

ኣብ ባጽዕን ኣስመራን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተሰሚዑ

ተኸሲቱ።ሕምብርቲ ናይ’ቲ ምንቅጥቃጥ

ምድሪ፡ 67 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ካብ ኣስመራ፡ ካብ ባጽዕ ድማ 18 ኪሎ-ሜተር

ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 10 ኪሎ-ሜተር ዕምቈት ከምዝነበሮ ተፈሊጡ።ሓይሊ ናይቲ ምንቅጥቃጥ፡ ካብ’ቲ

ኣብ 2002 ዝተኸስተ ተመሳሳሊ ተርእዮ ከምዝብርትዕ፡ ክኢላታት’ቲ ዓውዲ ንኤሪና ሓቢሮም።በቲ ባህሪያዊ ሓደጋ ኣብ ሰብ

ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ፡ እንተኾነ ግን ህዝቢ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር፡ እቶም ክኢላታት ሞያዊ ምኽሮም ለጊሶም ኣለዉ።እቲ ክስተት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት

ኣብ ሃገራት ቺለ፡ ቱርኪ፡ ኣርጀንቲና፡ ኣልባንያ፡ ኢንዶነዥያ፡ ደሴታት ፎክስን ኣሉትያንን፡ ሪፓብሊክ ዶመኒካን፡ ደቡባዊ ኢጣልያ፡ ግሪኽ፡ ቦሊቭያ፡ ደሴታት ሰለሙንን ዞባ ታይዋንን ከምዘጋጠመ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መርበባት ሓበሬታ ዝተርዘርግሐ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል፡ ን10 ኣዋርሕ ብቕዲ ክዳንን ሲንጀርን ዘሰልጠኖም 47 ተመሃሮ ኣመሪቑ፣ብ3 መስከረም ኣብ ዝተገብረ

ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ሓላፊት መሰልጠኒ ኮማዊ ማእከል ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወይዘሮ ጅምዓ መሓመድኑር ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እቲ ማእከል ዛጊት ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ጽጉማት ተመሃሮ ኣሰልጢኑ ከምዘመረቐ ብምምልካት፡ እዚ ኣካል ናይቲ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምኦ ሞያ ብስራሕ ከማዕብልኦ ኣዘኻኺራ፣

ካብ ተመረቕቲ መንእሰይ ሳልሕ መሓመድን ወይዘሪት ትዕግስቲ ኣሴርን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ በቲ ስልጠና ዝቐሰምዎ ሞያ ኣብ ሂወቶም መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ስለዝኾነ፡ ብስራሕ ከማዕብልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፣

“ሞያ ዘይበርስ ሃብቲ’ዩ” ዝበለት ካብ ተመረቕቲ ወይዘሮ ንግስቲ ሓድጉ ብወገና፡ እቲ ስልጠና ኣካል ናይ’ቲ መንግስቲ ማሕበረ-ቚጠባዊ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ብምምልካት፡ እቲ ስልጠና ስፍሓትን ቀጻልነትን ክህልዎ ተላብያ፣

ዞባ ማእከል፡ ብቕዲ ክዳንን ሲንጀርን ዝሰልጠኑ 47 ተመሃሮ ተመሪቖም

ፍወሳ ዓይኒ ከምእተኻየደ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።ሱዳናዊ ጉጅለ ሓካይም ዓይኒ

‘ኣልበሰር’ ካብ 6 ክሳብ 12 መስከረም

ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ ን3 ሽሕን 500ን ሕሙማት ብምርኣይ፡ ን460 መጥባሕቲ ከምዘካየደ ይዝከር።

Page 2: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 2

12፡00 Doc Film12፡30 ዜና ብትግርኛ12፡50 ቃ/መ ፕረዚደንት 2ይ ክፋል ብዓረብ13፡30 ዜና ብዓረብ13፡50 ዘተ ስፖርት14፡35 ሄራር15፡10 ናትራን17፡15 ድባብ17፡35 Media Offline18፡25 መኣዲ ስነ ጥበባት19፡00 ዜና ብትግረ19፡20 ሽዕበት20፡00 ዜና ብዓረብ20፡20 ቃ/መ ፕረዚደንት 3ይ ክፋል ብዓረብ21፡00 ዜና ብትግርኛ21፡30 ምኽሪ ሞያውያን ብቐጥታ22፡30 ዜና ብእንግሊዝ22፡50 ተኸታታሊት ፊልም ዓሲ

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስ ኤደን ዘርአጋብር

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ዝወደቦ፡ ንኩነታትን ብቕዓትን ተመሃሮ ንምግምጋም ዝሕግዝ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ን70 መምህራን ኣብ ኣዳራሽ ኣብያተ-ትምህርቲ ዓይነ-ስውራን ኣብርሃ ባህታን ባሕቲ መስከረምን ተዋሂቡ።ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ

ዞባ ማእከል ሓላፊ ውጥንን ስልጠናን መምህር በላይ ሃብተጋብር ንዝተኻየደ ስልጠና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ከም’ዚ ዓይነት ስልጠና ንምክያድ ፍሉይ መጽናዕቲ ክግበረሉ ምጽንሑ ጠቒሱ፡ ኣብ ሽዱሽተ ኣብያተ-ትምህርቲ ፈተነ ተኻዪዱ ድማ ዕውት ምንባሩ ብምሕባር፡ እቲ ስልጠና ካብ 20 ክሳብ 30 ዓመት ተመክሮ ምምህርና ንዘለዎም መምህራን፡ ሱፖርቫይዘራትን

ዞባ ማእከል፡ ኩነታት ተመሃሮ ንምግምጋም ዝሕግዝ ስልጠና ተዋሂቡ

ዳይረክተራትን ይወሃብ ምህላዉ ኣብሪሁ። ነቲ ስልጠና ዝሃበ ኣብ ሚኒስትሪ

ትምህርቲ ሓላፊ ኣሃዱ ምዘና መምህር ዳዊት ኣብርሃም፡ ዛጊት ብደረጃ ሃገር 300 ብደረጃ ዞባ ማእከል ድማ 70 መምህራን ክስልጥኑ ዕድል ከምዝረኸቡ ብምሕባር፡ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ናብ ካልኦት መምህራን ከመሓላልፍዎን ኣብ ምግምጋም ተመሃሮ ተራኦም ከዕዝዙን ብምልባው፡ እቲ ስልጠና ኣብ መጻኢ’ውን ክቕጽል ምዃኑ ኣረዲኡ።ሓላፊት ጨንፈር ሚኒስትሪ

ትምህርቲ ዞባ ማእከል ወይዘሮ ሓሊማ መሓመድ ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ስልጠና ንመምህራን ተመሃሮኦም ብግቡእ ኣብ ምግምጋም

ኣፍልጦኦም ክዓቢ ተራ ከምዘለዎ ብምንጻር፡ ሰልጠንቲ ፍልጠቶም ናብ ካልኦት መምህራን ብመልክዕ ስልጠና ከሰጋገርዎ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ካብ ሰልጠንቲ መምህር ብንያም በይንን ሱፐርቫይዘር መምህር ሳባ ተወልደን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዝተዋህቦም ስልጠና እዋናውን ሓጋዚን ምዃኑ

ብምምልካት፡ ከምዚ ዓይነት ስልጠና ንተመሃሮን መምህራንን ሓጋዚ ከምዝኾነ ብምንጻር፡ እቲ ስልጠና ንካልኦት መምህራን’ውን ክወሃብ ኣዘኻኺሮም።

ነበርቲ ካንቶን በርን - ስዊዘርላንድ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 52 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ

ነበርቲ ካንቶን በርን 30 ስድራ-ቤት ስውኣት ክናብዩ ቃል ኣትዮም

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ን30 ጽጉማት ስድራ-ቤት ስውኣት ንክልተ ዓመት ክናብዩ

ቃል ኣትዮም።እቶም ዜጋታት፡ ባሕቲ

መስከረም ዕለተ በዓልን ዝኽሪን ጥራይ ዘይኮነት፡ ኣብ ስውኣትናን ስድራቤቶምን ዘሎና ኣኽብሮትን ሓልዮትን እንገልጸላን ሕድሮም ንምትግባር ስራሕና ገምጊምና መብጽዓና እነሐድሰላን ከምዝኾነት ገሊጾም።“ንጽጉማትን ስድራ-ስውኣትን

ምእላይ ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ኣይኮነን” ዝበሉ ኤርትራውያን ነበርቲ ካንቶን በርን፡ ነዚ ካብ ወለዶታት ክወራረስ ዝጸንሐ ባህሊ ምትሕግጋዝ ንምትግባር፡ ኩሉ ዜጋ ብዓቕሙ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ጸዊዖም።ብኻልእ ወገን፡ ማሕበረ-ኮም

ኤርትራውያን ነበርቲ ኑሩምበርግ-ኤርላነገን - ጀርመን ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ዝውዕል 2 ሽሕን 300 ዩሮ ከምዘወፈዩ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓቢሩ።እቶም ዜጋታት፡ ሕድሪ ሰማእታት

ምትግባር ይጽናሓለይ ዘይበሃል ዕማም ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ምዃኑ ብምምልካት፡ ሕጂ’ውን ከም ትማሊ ኣብ ጎኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ኮይኖም ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

Page 3: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 3

ኢንጂ. ርስቶም በረኸት

ሕቡእ ታሪኽ ወራር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ

7ይ ክፋል

ኣመሪካ ንዒራቕ ካብ እትወራ እንሆ 10 ዓመት ተቖጺሩ ኣሎ። እታ ሃገር ኲናት ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ንኽትእውጅ ዝደረኻ ቀንዲ ረቛሒ እንታይ ነበረ? እቶም ብኣመሪካ ከም ምኽንያት ዝቐረቡ ምኽንያታት ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ነይርዎም? ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ዝምድና ኣመሪካን ዒራቕን እንታይ ይመስል ነይሩ? ድሕረ ባይታ ናይቲ ኲናት እንታይ’ዩ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታትን ንምምላስ። ጋዜጠኛ ክሊፍ ፒርሶን “ሕቡእ ታሪኽ ወራር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ” (The hidden history of America’s war on Iraq) ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝጸሓፎ ብደረጃ ዓለም ሰፊሕ ተቐባልነት ዝረኸበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ትርጉም ጸሚቚና ናባኹም ነብሎ ኣለና - ሰናይ ንባብ።

ድሕሪ ብይን 678 ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ንኽትወስድ ዘኽእላ ደገፍ ንምርካብ ሰፊሕን ጽዑቕን ዘመተ ኣካየደት። ሓደ ካብቲ ዝቐርብ ዝነበረ ጎስጓሳት ድማ፡ ነዳዲ ዘይቲ ንቚጠባ ኣመሪካ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ከምዝኾነን ኣመሪካ ነታ ካብ ነዊሕ እዋን ናይ ቀረባ መሓዛኣ ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ዒራቕ ክትከላኸለላ ግዴታኣ ምዃኑን ዝገልጽን’ዩ። በዚ ዘይክውንነታዊ መግለጺታት ዘይተሰልቡ ኣመሪካውያን ዜጋታት፡ “ንነዳዲ ዘይቲ ዝፈስስ ደም ኣይንድግፍን!” ብምባል ንዂናት ዝነበሮም ተቓውሞ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ብትሪ ኣስሚዖም። ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ንዒራቕ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምጥቃም ውጉዝ ኣጽዋርን ብምውቃስን ንኩሌሳዊ ኣጽዋር ተፍሪ’ያ ብዝብል ክስታትን ነቲ ኲናት ምኽኑይ ንምግባሩ ጸዓሩ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣመሪካ ንሳዳም ንምስይጣን ትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ፡ ንኩወይት ካብ ጎበጣ ዒራቕ ናጻ ንምግባር ዝንቀሳቐስ ማሕበር’ውን ኣብ ኣመሪካ ተመስረተ። እዚ ማሕበር ንህዝባዊ ርክባት ኩወይት ብ11 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ብምክራይ ናይ ሓሶት ዜና ኣብ ምዝርጋሕ ወፍሪ ኣካየደ። “ሰራዊት ዒራቕ ኣብ ሆስፒታላት ኩወይት ኣትዩ ናጽላታት ካብ ‘ኢንኲቤተራት’ እናውጽአ ይቐትል ኣሎ።” ተባሂሉ’ውን ውጹእ ናይ ሓሶት ዜና ተነዝሐ። “ናይ ዓይኒ ምስክር ኢና” በሃልቲ ብማዕከናት ዜና ምስክርነቶም ከም ዘቕርቡ ተገብረ። እታ ኣብ ቅድሚ ኮንግረስን ባይቶ ጸጥታን ቀሪባ ናይ ሓሶት ምስክርነታ ዝሃበት ጓል 15 ዓመት ቈልዓ ድሒሩ ብዝወጸ ሓበሬታ መሰረት፡ ጓሉ ንኣምባሳደር ኩወይት ኣብ ኣመሪካ ምዃና ተረጋጊጹ’ዩ። ክኢላ መጥባሕቲ ኣብ ሆስፒታላት ኩወይት ተባሂሉ ምስክርነቱ ዘቕረበ ሓኪም’ውን፡ ድሒሩ ሓኪም ስኒ ምንባሩን ብሓሶት ከም ዝመስከረን ተናዘዘ።ኣመሪካ ጎኒ ጎኒ ዲፕሎማስያውን

ዜናውን ወፍሪ፡ ወተሃደራዊ ምድላዋታ ተጻፍፍ ነበረት። ካብ 34 ሃገራት ዝተዋጽአ ብኣመሪካ ዝምራሕ 660 ሽሕ ዝብዝሑ ልፍናታዊ ሰራዊት ከኣ ንዒራቕ ንምጥቃዕ ድሉው ኮነ። 74 ሚእታዊት ካብዚ ወተሃደራት ኣመሪካ ነበሩ። ኣመሪካ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ባሕሬይን፡ ጀርመን፡ ኒጀር፡ ቐጠር፡ ፖርቱጋል፡ ቱርኪ፡ ብሪጣንያ፡ ግብጺ፡ ኖርወይ ... ገለ ካብተን ሰራዊት ልፍንቲ ዘቖማ ሃገራት ነበራ። ኣብ ፈለማ ብዙሓት ካብዘን ሃገራት ኣብቲ ኲናት ኢደን ንምሕዋስ ቅሩብነት ኣየርኣያን።

ብፍላይ ሃገራት ዓረብ ንምትእትታው ኣመሪካ ብምቅዋም እቲ ጉዳይ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ማሕበር ሃገራት ዓረብ መዕለቢ ክረክብ’የን መጒተን። ግደ ሓቂ እተን ሃገራት ዓረብ ንዕብለላ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ኣይመርጻኦን’የን። ይኹን’ምበር ኣብ መወዳእታስ ካብ ኣመሪካ ዝረኽባኦ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ደገፍ ንኸይጎድለንን ዕዳአን ንኽስረዘለንን ብዙሓት ሃገራት ብጸቕጢ ኣብ ጎኒ ኣመሪካ ተሰለፋ። ኣመሪካ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ

ንምክያድ ምሒር ተሃንደደት።

እቲ እንኮ ንሳዳም ዝተርፎ ምርጫ ብዘይዝኾነ ቅድመ-ኲነት ካብ ኩወይት ጠቕሊሉ ክወጽእ ምዃኑ ድማ ኣፍለጠት። እቲ ዒራቓዊ ፕረዚደንት ግን ምውጻእ ሃገሩ ካብ ኩወይት ካብ ምውጻእ ሶርያ ካብ ሊባኖስ ወይ ድማ እስራኤል ካብ ወሽመጥ ቓዛ፡ ጎቦታት ጎላንን ደቡባዊ ሊባኖስን ተፈልዩ ክርአ ከምዘይግባእ ብምጥቃስ ንድርብ ዕያር ኣመሪካ ብትሪ ተቓዊሙ። 12 ጥሪ 1991 ወተሃደራዊ ሓይሊ

ኣመሪካ ንዒራቕ ካብ ኩወይት ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ብወግዒ ተሰከመ። ኩለን ኣባላት ልፍንቲ ከኣ ተመሳሳሊ ትእዛዝ ኣመሓላለፋ። ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ናይ ምውጻእ ገደብ ግዜ ሰራዊት ልፍንቲ ስርሒት “ማዕበል ምድ-ረበዳ” ዝሰመዮ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ፈነወ። ካብ ወጋሕታ 17 ጥሪ ጀሚሩ መዓልታዊ ክሳብ 1000 ዝበጽሕ በረራታት ብምክያድ ጽዑቕ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ተኻየደ።

ነቲ ናይ ፈለማ ናይ ክላስተር ቦምብን ክሩዝ ሚሳይልን መጥቃዕቲ፡ ዒራቕ 8 ስካድ ሚሳይል ናብ እስራኤል ብምትኳስ ግብረ መልሲ ሂባትሉ። ንእስራኤል ብምጥቃዕ ነታ ሃገር ኣብቲ ኲናት ከምትጽንበር ብምግባር፡ ሃገራት ዓረብ ከንሳሕባ ትጽቢት ዝነበሮ ቅማረ ዒራቕ ግና ኣይሰርሐን። እስራኤል ግብረመልሲ ኣይሃበትን። ብዘይካ’ታ ተዓዛቢት ክትከውን ዝመረጸት ዮርዳኖስ ድማ ኩለን ሃገራት ዓረብ ኣንጻር ዒራቕ

ጸሚደን ነበራ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ልፍንቲ ኣብ

ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ኲናት ንሓይሊ ኣየር ዒራቕን ጸረ-ነፈርቱን ንምዕናው ብዕቱብ ሰርሑ። ንምዕቡል ተመራሒ ጸረ-ነፈርቲ ዒራቕ፡ ራዳር ክቆጻጸረን ብዘይክእል ዘመናውያን ነፈርቲ ኣዕነዉዎ። ድሕርዝስ ካልኦት ነፈርቲ ብዘይስክፍታ ከምድላየን ኣብ ዝመረጽኦ ዒላማታት ቦምባታተን ከዝንባ ደኣ ጀመራ። ጸረ-ነፈርቲ ዒራቕ ዘይከምቲ ዝተፈርሖ ኣድማዒ ተራ ክጻወት ኣይተራእየን። ቀጺሉ ዝተደብደበ ዒላማታት፡ መአዘዚ ነቚጣታትን መራኸቢታትን ዒራቕ’ዩ ነይሩ። ብሰንኩ ድማ ሓበሬታ ተበታቲኹ ሰራዊት ዒራቕ ተስፋ ቆረጸ። ብወገን ዒራቕ ዝተተኮሰ ቦምባታት ዝጥቀስ ሃስያ ኣየውረደን። ብኣንጻሩ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ጥራይ 38 ሚግ ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ዒራቕ ተሓምሸሻ። ሳልሳይን ዝዓበየን ገጽ ናይቲ ናይ ኣየር

መጥቃዕቲ ኣብ ዒራቕን ኩወይትን

ዝተደኮነ ወተሃደራውን ሲቪላውን ዒላማታት ምጥቃዕ’ዩ ነይሩ። ሓይሊ ባሕሪ ዒራቕ፡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፡ መሳርሒታት ወደብ፡ መራኸቢታት፡ ድልድላት ጽርግያታትን መጻረዪ ነዳድን ግዳይ ኮኑ። ኣብ ምዝዛም’ቲ ኲናት፡ ኣገልግሎት መብራህቲ 4 ሚእታዊት ጥራይ ተረፈ። ዲጋታትን መጻረዪ ማይን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓነዉ። ኣመሪካ ንሲቪላዊ ዕላማታት ብምጥቃዕ ቊጥዐ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሳዳም ከተለዓዕል ጸዓረት። ሳዳም

ብውሽጣዊ ህዝባዊ ተቓውሞ ክዕሎ ትጽቢት ነበራ። ሲ.ኣይ.ኤ እውን ኣብ ውሽጢ ዒራቕ ተቓውሞታት ክውድብ ተሓቢሩዎ’ዩ። ይኹን’ምበር ኣብ ደቡብ ዒራቕ ንዝተበገሰ ሓያል ተቓውሞ፡ ኣመሪካ ካብ ሃገራት ልፍንቲ ክገጥማ ንዝኽእል ተቓውሞ ብምስጋእ ኣይደገፈቶን። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ተቓውሞ ብኣጋኡ ተደቚሰ። ተቓውሞ ንኽውድብ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኣባል ሲ.ኣይ.ኤ’ውን ተጠልመ። እቲ ኮይኑ እዚ ኣመሪካ መድሎ

ደኣ ኣይረኸበትን’ምበር ስርዓት ሳዳም ንምቕያር ኣጀንዳ ነይርዋ’ዩ። ብናይ ኣየር መጥቃዕቲ ንምቕታሉ’ውን ሳዳም ክህልወሉ ይኽእል’ዩ ዝተባህለ ቦታታት ተደብዲቡ’ዩ። ብፍላይ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ኲናት 21 ቦምባታት ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ሰልፊ በዓስ (ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሰልፊ) ዓሊቡ’ዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ሰበ-ስልጣን ዒራቕ ኣብኡ ኣይጸንሑን።

22 ለካቲት 1991 ዒራቕ ብሕብረት ሶቬት ንዝቐረበ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን፡ ሰራዊታ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበሮ ቦታታት ክምለስ ዝጽውዕ እማመ ተቐበለቶ። ባይቶ ጸጥታ ከኣ ንምንስሓብ ሰራዊትን ምቊራጽ ተዂስን ክከታተሎ’ዩ ተባህለ። ኣመሪካ ግን ንሳዳም እንተኽኢላ ንምእላዩ ካብኡ ተረፈ ድማ ንምድኻሙ ነቒላ ነበረት። ነቲ ብሕብረት ሶቬት ዝቐረበ እማመ ብምንጻግ ከኣ፡ ሳዳም ሰራዊቱ ንምንስሓብ ናይ 24 ሰዓታት ዕድል ጥራይ ሃበቶ። በዚ ከኣ ብ24 ለካቲት ኣመሪካ

ስርሒት “ሴፍ ምድ-ረበዳ” ዝጸውዓቶ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ጀመረት። ሰራዊት ልፍንቲ ድፋዓት ዒራቕ ንምጥሓስ ብዙሕ ተቓውሞ ኣይገጠሞን። ብዙሓት ካብ ሰራዊት ዒራቕ በቲ ትንፋስ ዘይህብ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ተዳኺሞም ነበሩ። እቲ 100 ሰዓታት ጥራይ ዝወሰደ ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ ብቐጥታ ብመደበር ተለቪዥን CNN ተፈንዩ ኢዩ።ዒራቕ ባይሎጅያዊ ይኹን

ከሚካላዊ ኣጽዋር ኣይተጠቕመትን። ኣመሪካዊ ጀነራል ኮሊን ፓወል፡ ሳዳም ውጉዝ ኣጽዋር እንተዝጥቀም ሃገሩ፡ ኣብ ኣፍላግ ጢግሪስን ኢፍራጢስን ዝርከቡ ዓበይቲ ዲጋታት ብምዕናው ከተማ ባቕዳድ ከምተዕለቕልቕ ምገበረ ክብል ከኣ ጸኒሑ ገሊጹ’ዩ። ገስጋስ ሰራዊት ልፍንቲ ዘይከም ስክፍታ ጀነራላት ኣመሪካ ቅልጡፍ ነበረ። 26 ለካቲት ዒራቕ ንኣጋንእ ነዳዲ ኩወይት ሓዊ ረኲዓትሉ ክትወጽእ ጀመረት። ዒራቓውያንን ፍሊስጤማውያንን ሰላማውያን ሰባት ኣሰንዩ ካብ ኩወይት ዝወጽእ ዝነበረ ቃፍላይ ዒራቕ ብሰራዊት ልፍንቲ ተለብለበ። እቲ ዝወጸሉ ዝነበረ ጽርግያ ድማ “ናይ ሞት” ጽርግያ ተሰምየ። 100 ሰዓታት ድሕሪ ናይ መሬት

መጥቃዕቲ መራሒ ኣመሪካ ዝነበረ ጆርጅ ቡሽ ዓቢ ተዂሲ ከቋርጽ ኣዘዘ። 27 ለካቲት ኩወይት ካብ ህላወ ሰራዊት ዒራቕ ናጻ ኮነት። እቲ ደገፍ ኣመሪካ ዝነበሮ ውልቀመላኺ መራሒ’ታ ሃገር ኣብ ስልጣኑ ተመልሰ።ኣብ ውሽጢ 42 መዓልታት ናይቲ

ኲናት ብድምር 250 ሽሕ ቦምባታት ከምዝተተኮሱ ጸብጻባት የረድኡ። ኣመሪካ እቲ ቀዳማይ ሃብቲ ነዳዲ ዘይቲ ናይቲ ዞባ ናይ ምቁጽጻር መደባ’ኳ እንተተዓወተትሉ። ንሳዳም ናይ ምእላይ ጥሙሓ ግን ኣይቀንዓን። ብኡ ከኣ መዓልቲ ትጽበ ነበረት።

ይቕጽል....

1990፡ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ዝተኻየደ ደብዳብ

Page 4: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 4

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

“ጠሊመ ድየ” – ዓስቢ ኰይናትኒሜሪ መሓሪ

“እዚኣኸ ከመይ ኮን ትኸውን?” - ቀዳም መጽአት ናብ ሲነማ ኣብ ዘምርሓሉ እዋን ዘሰንየኒ ሕቶ’ዩ። ዝሓለፈ ቀዳም’ውን ነዛ ሕቶ ሒዘ’የ ናብ ሲነማ ኢምፐሮ ኣምሪሐ። ብዘይ ብኩራት ናብ ሲነማ ዝተመላለስኩሉ ቀዳማት ውሑድ ኣይኰነን። ብዘይካ ሳሕቲ፡ መብዛሕትኡ እዋን ከይዓገብኩ፡ ኣብ ገለ ገለ ድማ እናንጸርጸርኩ ዝወጻእኩሉ’ዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ዛንታታት ፊልምታትና፡ ምስ ውሽጠይን መንነተይን ዘተኣሳስር ጦብላሕታ ዝገድፍ ትሕዝቶ ኣየጽንሓለይን’ዩ። ተስፋ ግን ኣይቈርጽን፣ ትጽቢትን ሕቶን ተሓንጊጠ፡ ናብ ሲነማ ምኻድ ወልፊ ኰይኑኒ!ፊልም “ጠሊመ ድየ” ንምርኢት ኣብ

ዝቐረበትሉ ቀዳም፡ እታ ፊልም “ኣብ ዓመተ 2013” ካብ ዝቐረባ ፊልምታት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትርከብ ምዃና ምፍላጠይ ትጽቢተይ ንኸዕቢ ደሪኹኒ’ዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ኣቐዲመ እየ ቦታ ሒዘ። እታ ፊልም ምስ ጀመረት ከኣ፡ ኵለንትናይ ሂበ ምዕዛብ ጀሚረ። እታ ፊልም ንሃረርታይ ክትምልስ ግዜ ኣይወሰደትን።ካብ ትርኢት ናብ ትርኢት ኣብ

ዝሰጋገረሉ እዋን፡ ተመስጦይ እናዓበየ ክመጽእ ጀሚሩ። ምስ ነፍሲ ወከፍ ዝርርብን ተግባርን፡ ኣብ ህይወት እቶም ጠባያት ክጠልቕ፡ ናብራኦም ክነብሮ፡ ብቓንዛኦም ክቕንዞ ተፈሊጡኒ። ገጸይ ብንብዓት ጠልቅዩ። ንነብሰይ ምስ ብድሆታትን ጸገማትን እቶም ገጸ ባህርያት ብማዕረ ክትዋሳእ ረኺበያ።እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ክርዳእ

ግዜ ኣይወሰደለይን። እቲ ኣብ ብዙሓት ፊልምታትና ዝሰኣንኩዎ ነገር’የ ረኺበ። መበቈላውነት ዛንታን ምስ ተዓዛባይ ዘለዎ ቅርበትን’ዩ እቲ ምስጢር። ዛንታ ፊልም “ጠሊመ ድየ” ኤርትራዊ ዛንታ’ዩ። ዛንታ ትማልናን ሎሚናን፣ ዛንታ ጽንዓትናን ፍቕርናን፣ ዛንታ ለውሃትናን ምትሕብባርናን … ኮታ ዳርጋ ኵሎም ዝሓለፍናዮምን ንሓልፎም ዘለናን ማሕበረ ፖለቲካዊ ክውንነትና፡ ብዝምስጥ ጥበብ ዝተረኸ ዛንታ’ዩ።ኵናት - ብዃሕታ ጥይት ጀሚሩ

ብዃሕታ ጥይት ዝውድእ ዘይምዃኑ፡

ውጽኢት ኵናት፡ ስንክልናን መስዋእትን ጥራይ’ውን ከም ዘይኰነ፡ ኵናት እዚ ኵሉ ኰይኑ ከይኣኽሎ፡ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብሕልፊ ኸኣ፡ ኣብ ሂወት ተሳተፍቲ ዓውደ ኵናት ዝገድፎ በሰላ ዓቢ ምዃኑን ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዘለዎ ጽልዋን ኣጉሊሑ ዘርኢ ዛንታ’ዩ።እቲ ዛንታ ብሓንቲ ልዋም እትብሃል

ዋርሳይ እናተመርሐን እናተኣስረን’ዩ ዝኸይድ። ልዋም ከም’ተን ኣብ ብዙሓት ፊልምታትና ዘለዋ፡ ዝዓበረ ፍቕሪ ጠንጢነን ዝሰብሐ ዘማዕድዋ፣ ዓዲ ዘርሓቐ ፍቕረን ደርብየን ናብ ካልእ ዘብላ፣ ብቐሊል ሽግራት ኢደን ዝህባ ወይ ምጽብባቕን ነገራዊ ሃብትን ሕማመን ዝዀነ ገጸ ባህርያት ኣይኰነትን።

ልዋም ጅግና ኵናትን ፍቕርን፣ ብዓቢኡ ከኣ ጅግና ማሕበራዊ ህይወት’ያ።ኣብ’ታ ዛንታ ናይ ዘለዉ ገጸ ባህርያት

ልባዊ ባህግታት እናተሰማዓኒ፡ ልበይ ምስ ኵላቶም ክትደናገጽ ረኺበያ። ብኽብደት መነባብሮ፡ ብመቓብር ዝወሓጦ ኣፍቃርን ነባሪ ፍቕሩን፡ ብጸቕጢ ድልየት ስድራን ሓድሽ ኣፍቃርን፡ ምስ ሓድሽ ፍቕራዊ ህይወት፡ ብኹሉ መኣዝናዊ ሽግራትን ተደራራቢ ኣጋጣሚታትን ዝተዋጠረት ልቢ ልዋም፡ ልበይ ስሒባ ክትጓዓዝ ኣይተሸገረትን።በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ንዓቢ ውዕለት

ንዓመታት ጸይራ ዝተጓዕዘት’ሞ፡ ኣብ መንጐ

ድንጋጸ ዝዓብለሎ ውዕለት ናይ ምኽፋል ዝምድናን ሓያል ፍቕራዊ ዝምድናን ዝተቐርቀረት፡ ኣብ መንጐ ስድራቤታዊ ጸቕጢ ክትፍጽም ምድላይን ዘይምኽኣልን ዝኸበዳ ልቢ፡ ንልበይ ብማእዝና ስሒባቶ። ንሱ’ውን ኣይኣክልን። “ናይ ዓቕልን ጽንዓትን ድልየታተይ ክስምዑ’ዮም” ኢላ ካልእ መጻኢ እትሓልም፡ “ድልየታተይ ክስምዑ’ዮም” ብዝብል ሓያል እምነት፡ ነገራት ከም ውዱእ እተጣጥሕ፡ ስምዒት ካልእ ልቢ ኣረጋጊኣ፡ ንጽባሓ እትናፍቕ ልቢ’ውን ብወገና ልበይ ሰሊባቶ። እታ ኻልእ ውዑይ ዝደማ፡ ብገርሂ ሓሳባትን ሃሳስ ጥሙሕ መጻእን እትጓዓዝ ልቢ’ውን፡ ልበይ ድንጋጸ ከም ዘይበቀላ ገይራ’ያ።ብሓፈሻ ድምርን ውህደትን ብዓቢኡ

ከኣ ፍልልይን ግርጭትን እዘን ልብታት ብዝግባእ ዘወሃሃደ ዛንታ፡ ንዓይ’ውን ከም ኣካሉ ገይሩ ብዋሕዚ ክቕጽል ኣይተጸገመን። ዛዕባ’ቲ ዛንታ ዝበዝሐ ሸነኹ፡ ዛንታ ሓው/ሓብቲ፡ ቀረባ ቤተሰብ እንተ ረሓቐ’ውን፡ ዛንታ ርሑቕ ቤተሰብ ወይ ደቂ ገዛውቲ … ብሓፈሻ ከኣ ታሪኽና ብምዃኑ ንመሳጥነቱ ኣጸቢቑ’ዩ ኣበሪኹዎ።እታ ፊልም ማዕረ ማዕረ ዘልዓለቶ ዓቢ

ትሕዝቶ፡ ኣብ ኣቀራርባኣ’ውን ልዑል ክእለት ዝተረኣየላ’ያ። ዛንታ ጀሚሩ ክሳብ ዝውድእ፡ ዝእለየሉን ዝህውትተሉን መሽጐራጉራት ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፡ ካብ ተራ ሰባት ዘይወጽኡ ቃላት ኣይገጠሙንን። ኩምራ ቃላት ዝምድር ተዋሳኢ’ውን ኣይነበረን። እቶም ንሓሳባት ደራሲ ስጋ ዘልበሱ

ተዋሳእቲ፡ መን ምዃኖም ረሲዐ፡ ከም ሓደስቲ ሰባት ክርእዮምን ኣብ ዝተላበሱዎ ገጸ ባህርያት ተኣማንነት ክፈጥሩለይን ክኢሎም ገጾም። ኣዒንቶም፡ ኣእዳዎም፡

ኣዘራርባኦም ገለ ይብለኒ ነይሩ። ልዕሊ ቃላቶም፡ ስምዒቶም ዝያዳ ተነቢቡለይ። ብሕልፊ ኣብ ገለ ገለ ምርኢታት ዝነበረ ቃል ዘይነበሮ ስምዒታት፡ ንልበይ ክገማጥሎ ይፍለጠኒ ነይሩ። ተዋሳእቲ’ዚ ፊልም ተዋሲኦም እዮም።ነታ “ጻሕ” ኢላ ኣብ ባይታ ትስጣሕ

ጠባይ ቅድሜኺ ክብላ፡ ነቲ ካብ’ቲ ብስምዒታት ዝመልአ ኣዒንቲ ዝዛሪ ዝነበረ ንብዓት’ታ ካልእ ጠባይ ኣእዳወይ ሰዲደ ክደርዞ ክብህግ፡ ነቲ ኣብ ዕሙር ኵናት ዝጐዪ ጅግና ግንባሩ ከይውቃዕ ክከላኸለሉ ክደሊ፡ ሓደ ጠባይ ምስ’ቲ ካልእ ዘለዎ ግርጭት ንምፍታሕ ኣብኡ ክህሉ ክምነ… በቃ ኵለንትናኦም ከምዝስምዓኒ ዝገበሩ ተዋሳእቲ’ዮም ገጢሞሙኒ። ብሕልፊ እታ ንልዋም ወኪላ ዝተዋስአት መረብ እስቲፋኖስ ከምኡ’ውን ዓወት ኣብርሃ፡ ውዳሰ ገብረንጉስን ካልኦትን ናይ ምውሳእ ዓቕሞም ዝያዳ ጐሊሑ ዝተረኣየሉ እዩ።ከምኡ ብምዃኑ ከኣ፡ ከም’ቲ ናይ ካልእ

ፊልምታት ነቶም ዝፈልጦም ተዋሳእቲ ብስሞም ክጽውዖም ኣይደፈርኩን። እቲ ሓድሽ ዝተዓዘብኩዎ መንነቶም፡ ንኻልእ ስርሓቶም ወይ ሓቀኛ መንነቶም ከዘክረኒ ዝኽእል ዋላ ሓደ ኣይነበሮን።ጐድኒ ጐድኒ እዚ፡ ኣብ ንጹርነት

ስእልን ድምጽን፡ ኣብ ኣመራርጻ ቦታታት፡ ኣርትዖትን ሜክኣፕን ዝተሰርሐ ስራሕ’ውን ዓቢ ብምንባሩ፡ ካብቲ ዛንታ ከይወጻእኩ ክዛዝሞ ኣኽኢሉኒ።ብትሕዝቶን ኣቀራርባን እዛ ፊልም

ብምልኣት ተመሲጠ። ነቲ ንኹሉ ሸነኻዊ ጽባቐናን ጸገማትናን ዝገልጽ ጽቡቕ ዛንታ ክደሊ ቀዳም ቀዳም ዝተመላለስኩዎን ሃረር ዝበልክዎን ትጽቢት ከኣ፡ ብመገዲ እዛ ብብርሃነ ገብረትንሳኤ ዝተደርሰት ፊልም “ጠሊመ ድየ” ዓስቢ ረኺበሉ።

ኣብ ናይ 6 መስከረም ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ንዓሰርተ ፊልምታት ሃገርና ብዛንታን ተዋስኦን ተርታአን ዝገልጽ ጽሑፍ ብመማይት ኮሚተ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ ወጺኡ ኔሩ። እቲ ጽሑፍ ድማ ንፊልም “ደባስ” ዘጠቓልል ብምንባሩ፡ ንሕና ኣዳለውቲ ፊልም “ደባስ” እዚ ዝስዕብ መብርሂ ንህብ።ኣካየድቲ’ታ መማይት ኮሚተ፡

ንደረጃ ፊልም “ደባስ” ዝገልጽ ደብዳበ ምስ ሃቡና፡ ኣብቲ ዝተዋህበ ነጥቢ ዘለና ዕቃበታትን ርእይቶታትን ብምስፋር፡ ዳግማይ ክረኣየልና ብጽሑፍ ሂብናዮም ክነስና፡ ነቲ ዘቕረብናዮ ሕቶ መልሲ ከይሃቡ፡ ደረጃ ፊልምና ኣብ ጋዜጣ ወጺኡ። ዝኾነ ሰብ ናብ ሓደ ትካል ሕቶኡ ከቕርብ መሰሉ እዩ። እቲ ትካል ድማ እወታዊ ይኹን ኣሉታዊ መልሲ ክህብ ግዴታ ኣለዎ። ኣካየድቲ ናይታ

መማይት ኮሚተ ደረጃ ፊልም፡ ኣብ ትዕዝብቲኮሚተ ግን “ኣበይ ከይበጽሑ” ብዘስምዕ፡ ብጽሑፍ ይትረፍ ብቓል’ውን መልሲ ኣይሃቡናን።እቲ ዘገርም፡ ኣካየድቲ መማይት ኮሚተ

ደረጃታት ፊልም ኤርትራ ዝገበሩዎ ንናይ ፊልም ገምጋም ዝገልጽ ጽሑፍ (ልክዕ ከምቲ ንኻልኦት ፊልምታት ዝህብዎ) ገና ኣብ ኢድና ኣይበጽሐን። ብተወሳኺ ሕቶና ከይተመለሰ ከሎ፡ ኣብ ጋዜጣ ከም ዝወጽእ ምግባሩ እምበኣር፡ ቀዳማይ ንዓና ናይ መዛተዪ መድረኽ ንምኽላእ፡ ካልኣይ ከኣ እቲ ውሳነ ናይ መጨረሻ ንምምሳሉ እዩ። ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ኣንበብቲ ክበርሃሎም

ዘለዎ’ምበኣር፡ ፊልም “ደባስ” ቅድሚ ናብ መማይት ኮሚተ ምቕራባ፡ ብምኩራትን ዓበይቲ ደረስትን ናይ ታሪኽ ተመራመርትን፡ ምስ ናይ ፊልም ምትእስሳር ዘለዎም ምሁራትን ስነጥበበኛታትን ገምጋም ተገይሩላ

ኣድናቖት ዝረኸበት እያ። ብዝበለጸ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምርኢት ስለ እትቐርብ ድማ፡ ናይ ተዓዘብቲ ገምጋም ክህሉ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እዚ ሕጂ ናትና ዕቃበታት ዝያዳ ጎሊሑ ክወጽእን ኣሰራርሓ’ታ ኮሚተ ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱን እዩ። ምብህሃል ዝኸልእ ኣሰራርሓ’ታ መማይት ኮሚተ ግን፡ ነቲ እናዓንበበ ዝኸይድ ዘሎ ኢንዳስትሪ ፊልም ሃገርና ሃሳዪ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።ኣብ መወዳእታ ናይ ሕቶና ቅዳሕ

ዝተቐበለን ብኣካል ረኺብና መልሲ ከም ዘይተዋህበና ዝሓበርናዮን ቤት ጽሕፈት ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ “መልሲ ምስ ሃቡኹም ክንዘራረበሉ” ክብለና ጸኒሑ፡ እዚ ሃንደበት ክፍጠር ግቡእ ስለዘይኮነ መልሲ ክህበሉ ትጽቢት ንገብር።

ኣዳለውቲ ፊልም

ደራሲ፡- ስምኦን “ደባስ”

ደሃይ ሕትመት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ

ርእሰ ከተማ ኣስመራ 30 ኪሎ ሜተር ንሸነኽ ምብራቕ ብምጉዓዝ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ ኪነት ማይሓባር “innocent boy” (እቲ ንጹህ ወዲ) እትብል መጽሓፍ ኣብ ተመሪቓ። ኣብቲ ናይ ምምራቕ ኣጋጣሚ ካብ ኣስመራ ዝተጐዓዙ ብርክት ዝበሉ ስነ ጥበበኛታትን ኣፍቀርቲ መጽሓፍትን ድማ ተረኺቦም ነይሮም እዮም። ከምኡ’ውን ገለ ካብ ኣባላት ጉጅለ-ባህሊ ዋሪ ተሳቲፎም ነይሮም። “መጽሓፍ ‘innocent boy’

ካብ ሎሚ ኣብ ኢድ ኣንበብትን ኣብ ከብሒ ኤርትራውያንን መጽሓፍቲ ኣትያ ኣላ። ደጊም ካብ ሎሚ ዋንነት ኣፍቀርቲ መጽሓፍ እንበር፡ ናይ መምህር ዳኒኤል ኣይኮነትን” ዝበለት ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺባ ገምጋም መጽሓፍ ዝሃበት መንእሰይ ሰላማዊት ጌታቸው’ያ። “innocent boy” ንመባእታን ማእከላይን ደረጃ ተባሂላ ዝተዳለወት መጽሓፍ ምዃና ኣብቲ ኣጋጣሚ ጸሓፊ እዛ መጽሓፍ መምህር ዳኒኤል ጠዓመ ገሊጹ። ከምኡ’ውን ኣባል ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ተማሃሪት ሪሃም ሳልሕ ናይ’ዛ መጽሓፍ ሓያልን ድኹምን ጎንታት ብምቕራብ፡ ንዕዱማትን ኣጋይሽን ገምጋም ኣቕሪባ።

Page 5: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 5

ኩርናዕ ካርቱን

ውላድ’ዩ ባህገይ

4ይ ክፋል

“እቲ ወልፊ ዝበልኩኻ ወልፊ ሽጋራ’ዩ። ከመይ ኢለ ጀሚረዮ መስለካ?” ኣነ ዝመልሰላ ግዲ መሲልዋ ሕቶ ሓቲታ ዝን በለት። “ስቕ ኢልካ’ዩ በጃኻ። መዓልታዊ ኣብ ባር ምስ ኮነ ምምሳይና እታ ሸዊት ትብሃል ከም መሓዛይ ዝተላለኽዋ ጓል ሽጋራ ኣላሚዳትኒ። ሓቂ ይሓይሽ ብኽልተ ኣጻብዕታ ሽጋራ ቀርቂራ ክትስሕብ ከላ ባህ’ያ ትብለኒ ነይራ። ቀስ ብቐስ ንእሽተይ’ባ ኣስሕብኒ እናበልኩ ዕልልቲ ውልፍቲ ኮይነ። ወልፊ ሽጋራ ድማ ሓንሳብ ምስ ጀመርካዮ ክትገድፎ ኣጸጋሚ’ዩ።” “ክትጅምርያ ከለኺ ግና ጥቕማን

ጉድኣታን ይርዳኣኪ ኣይነበረን ማለትድዩ?” ኣቐዲማ ክትሓስበሉ ከም ዝነበራ ክምጉታ ፈተንኩ።“መሓዛ ወሳኒት’ያ። ዓገብ ትብል

መሓዛ ረኺበ ነይረ እንተዝኸውን እዚ ወልፊ ጥቓይ’ውን ኣይምቐረበን። ሸዊት ድማ ከም መሓዛይ ክቐርባ ከለኹ ውልፍቲ ናይ ሽጋራ ብምንባራ ባይታ’ያ ከፊታትለይ’ምበር ዓገብ ክትብለንስ ኣይፈተነትን። ከም’ዚ ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደስ እንታይ ለመደ’ዩ ዓይነቱ።”“ክልተኽን ተታሓሒዝክን ናብ ገደል

ጸዲፍክን ማለት’ዩ?” ፍሽኽታ ሓዊሰ ተወከስክዋ።“ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ንእስነት ስለ ዝነበረ

ጥቕምን ጉድኣትን ዘመዛዝን ኣእምሮ ኣይነበረናን። ምኽያፍ ጥራይ’ያ ነይራ ስራሕና።” ነቲ ተደፋፊኣ እናበለት ዝኣተወቶ ዓዘቕቲ ዝጠቅም መመኽነይታ ስኣነትሉ።“ምምሳይ ኣብ ቤት መስተ’ሞ

ከመይ ቀጺልክዮ?” ኣብ ወልፊ ሽጋራ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ዕላልና ኣንፈቱ ንምቕያር ዝበልክዎ’ዩ።“ናይ ቢዝነስ ስራሕ ብወግዒ

ተታሓሒዘዮ።” ድምጻ ክብ ኣቢላ ድሕሪ ምድሃይ ገጻ ኣዕጢራ ብስያፍ ጠመተትኒ።“ከመይ ብወግዒ ማለት?”

ከተነጽረለይ ደለኹ።“ስራሕ ኣመንዝራ ቀስ ብቐስ ጀሚረ

ናብ ወግዓዊት ተቐይረ። ናብ’ዚ ጸይቂ ስራሕ ንምእታው ድሒረ ዝተላለኽዋ ሸዊት መሓዛይ ልዑል ተራ’ዩ ነይርዋ።” “ከመይ ማለትኪ’ዩ?” መሓዛኣ ናብ

ኣጸያፊ ስራሕ እናእተወታ ስቕ ኢላ ናብ’ቲ ስራሕ ምምራሓ እናገረመኒ ክተብርሃለይ ሓተትክዋ።“ደሓን ኣታዊ ዝርከቦ ቢዝነስ’ዩ

እናበለት ምስ ደፋፋኣትኒ’የ ጉልባበይ ቀሊዐ ናብቲ ስራሕ ኣትየ።”“እሞ ኣታዊ ተረኺብዎ’ዶ?” ካብኡ

ዝርከብ ኣታዊ ንምፍላጥ ተሃንጠኹ።“ሓጺር ክዳን ተኸዲንካ ምስ ሓያል

ዛሕሊ እናተቓለስካ፡ ምስ ሰኽራማት እናተዛበጥካ። ገለ መዓልቲ ምሉእ ለይቲ

ኣብ ደገ ሓዲርካ ብዘይ ገንዘብ ትምለሰሉ እዋን ኣሎ፡ ካልእ’ውን….” ገለ ከም ዝዘከረት ብዝንታ ተዋሕጠት።“እንታይ ድኣ ትም ኢልኪ?”

ዘረብኣ ኣንጠልጢላ ምግዳፋ እናገረመኒ ሓተትክዋ።“ሓደ መዓልቲ’ዩ ምስ ሓደ ወዲ

ተሰማሚዕና ብሓንሳብ ንሓድረልካ። ልክዕ ከም’ዚ ጤሌ በጊዕ ክትገዝእ ከለኻ ዋጋ ዕዳጋ ትገብር ዓይነት’ዩ ናብራና። መልክዕና ዕድመና እናርኣዩ’ዮም ዝመርጹና። ክብሪ ዘይብሉ ሕሱር ስራሕ’ዩ በጃኻ። ናብቲ ዝጀመርኩልካ ዕላል ክምለስ. . . እዚ ወዲ ኣብ ቤት መስተ’የ ተላልየዮ። ምሉእ ምሸት ቢራ ከስትየኒ ኣምስዩ። መወዳእትኡ ብሓንሳብ ክንሓድር ናብ መዕረፊ ኣጋይሽ ንኸደልካ። ምስ’ቲ ብመስተ ተሰኒፈዮ ዝነበርኩ ቀልጢፈ ክድቅስ ከለኹ እቲ ወዲ ምሳይ ዝነበሮ ስራሕ ዛዚሙ። ወጋሕታ እተን ዝሃበኒ ገንዘብ ሰሪቑ ህልም ይብለልካ። ኣነ ድማ ወጋሕታ ተሲአ ሃሰስ እንተበልኩ ገንዘብ ትመስክር። ገንዘብ ይርከቦ ድዩ ኢልካ ስለ ዝሓተትካኒ’የ ዝምልሰልካ ዘለኹ። እንትርፎ ሕስረት ገንዘብ ዝብሃል ዝርከቦ ከይመስለካ። ልክዕ ከምዚ ቁማር’ዩ…”“ቁማር ከመይ ድዩ?” ኣመንግው

ኣቢለ ተወከስኩዋ። “ገንዘብ ቁማር ኣብ ቁማር’ዩ

ዝጠፍእ - ገንዘብ ሓጥያት ስለ ዝኾነ። ሓደ ወልፊ ናይ ቁማር ዘለዎ ሰብ፡ ሎሚ ኣሽሓት ሒዙልካ እንተመጺኡ ንጽባሒታ ጥርሑ’ዩ ዝምለሰካ። ገንዘብ ኣመንዝራ ድማ ከምኡ’ዩ። ስርሕ ዝሓደርካዮ ንምሸቱ ኢኻ ተጥፍኦ። ምንዝርና ሓጥያት ብምዃኑ ትረኽቦ ገንዘብ’ውን በረኸት የብሉን። ትረኽቦ ሕስረት ግና መወዳድርቲ ኣልቦ’ዩ።” ክብደት ናይ ዝወርዳ ሕስረት ምግላጹ ተጸገመት።“ሕራይ ንስኽስ ትዕንድሪ ኔርኪ፡

ጉዳይ እተን በይነን ዘዕበያኺ ኣደኺኸ?” ኣብ ኣእምሮይ እናተመላለሰ ከጨንቐኒ

ዝጸንሐ ናይ ኣደኣ ጉዳይ ኣልዝብ ኣቢለ ኣብ’ቲ ዝውዳእ ዘይመስል ዕላል ኣቕረብክዎ።“መስክነይቲ ኣደይ……” ገጻ

ኣዕቲባ ተመጣልዐት። “ኣደ ሓንቲ ምዃን ጸገም’ዩ በጃኻ። ሓበን ጓለይ ተመርዓዊ’ባ ካብ ምባል ወጻኢ ሕማቕ ተዛሪባትኒ ኣይትፈልጥን። ስራሕ’የ ዝሓድር እናበልኩ የታልላ ብምንባረይ ትኣምነኒ’ያ ነይራ። ኣብ ዓራት ተጋዲማ ኮፍ ኢላ መቑጸርያ ካብ ምቑጻር ወጻኢ ሕማቕ ዝብሃል ዘይወጻ ኣደ’ያ።” ብኽልተ ኣዒንታ ንብዓት ወረር ኣበለት። “ወትሩ ኣብ መደቀሲኣ ኮይና

ትደጋግመለይ ዝነበረት ቃል እንድየ ዘኪረ።” ሕንቕንቕ በለት። “ሓበን ጓለይ ከማይ ከይትኾኒ። ሓንቲ ንዓኺ ስለ ዝወለድኩ’የ ካልኣይ ዘይብልኪ ኴንኪ። ቅልጥፍ ኢልኪ ውለዲ። ዕድመ ጓል ሽርብ’ዩ ዝብል።” እትደጋግመለይ ዝነበረት ቃል’ዩ።“እሞ ሰሚዕክየን’ዶ?”“ነደይ እንተዝሰምዕ’ሞ ኣብ’ዚ ኹሉ

ኣይምበጻሕኩን። ንወላዲ ከተሽክዕ ምፍታን መወዳእታኡ ጥቕላል ሽግር’ዩ ዘምጽኣልካ። ኣደይ ለዋህ፡ ፈሪሃ እግዝኣቢሄር ዘለዋ ኣደ’ያ። ኣነ ግና ምኽራ ሸለል ኢለ ኣብ ዕንደራ’የ ዝመራሳሕ ነይረ። ሓደ ሓደ ግዜ ኽኣ’ሞ ክልተ ለይቲ ኣብ ደገ ሓዲረ ደሃያ ከይገበርኩ ዝቕንየሉ እዋን ኣሎ።” ናይ ኣደኣ ኣርእስቲ ካብ ዝልዓል ኩሉ ዘረባኣ ንብዓት ዝተሰነየ ነበረ። “ኣደይ በይና ኣብ ዓራት ደቒሳ’ያ ትውዕል። ምኽንያቱ ናይ ጥዕና ጸገም ስለ ዘለዋ። ቁርሳ፡ ምስሓን ድራራን ኣነ’የ ዝቕርበላ። ብሓጺሩ ብዘይ ብኣይ ኣይትሰርርን’ያ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። ንዓይ እንታይ ዘየጋጠመኒ?” ከም ዝዘከረት ኣብ ሓሳብ ተሸሚማ ዝን በለት። “ሓደ ምሸት ኣብ ሓደ ባር ኮፍ ኢለ እናሰተኹ ከለኹ ሓደ ሰብ ይላለየልካ። ምሉእ ምሸት ክጋብዘኒ ኣምስዩ ካብ ጅቡኡ ጥማር ገንዘብ የውጽኣልካ። ከም’ቲ ዝበልኩኻ ምምሳይካ ኣብ ባራት እንተኾይኑ ኩሉ ተግባርካ ሰይጣን’ዩ ዝቕየር። ሽዑ ነተን ገንዘብ ክሰርቕ ሓሳብ መጺኡኒ። ኢደይ ኣብ ጁባ ናይ’ቲ ሰብኣይ ምስ ኣእተኽወን ግና ለቀብ ኣቢሉ ይሕዘኒ።”“ክትሰርቂ ሒዙኪ?” ስንባደይ

ኣንጸባረቕኩ።“ኣብ ማእከል ባር ብጽፍዒት

ኣላሂሙ ናብ ባይታ ከም ዝድርበ’ምበር ገይሩኒ። ቅድሚኡ ኣመል ናይ ስርቂ ዘይነበረኒ ከም ሓንቲ ዕልልቲ ሰራቒት ተሓሲበ ኣብ ቅድሚ ተገልጋሊ ሕስረት ተሰኪመ።” “ኣብ መወዳእታኸ ምሒሩኪዶ?” “ዓው ዓው ስለ ዘብዝሐ ብዙሕ ሰብ

ክእከብ ግዜ ኣይወሰደን። ሽዑስ እንቋዕ ኣይትርእየኒ…” እቲ ኣጋጣሚ ግዲ ተዘኪርዋ ዝን ብምባል ጠመተትኒ። “ኩለን ከምዚ ናተይ ቢዝነስ ዝሰርሓ ሕፍረት ዝብሃል የብለንን። ሓንሳብ ክብረን ስለ ዝሸጣ ምንም ዝዓጅበን ነገር የለን። ንቕድሜና ኢና በቃ። ግና እዛ ፍጻሜ ኣብ ህይወተይ ሓንሳእ’ያ። ብናይ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋ ሰባት ክትመዝኖም ኣሸጋሪ’ዩ።”“ተዓዊትኪ እንተትነብሪ ግና ስርቂ

ምቐጸልክዮ። ከምቲ ንወልፊ ቀስ ብቐስ ዝኣተኽዮ. . .”“ንሱስ ሓቅኻ! ወልፊ ቀስ ብቐስ

ዝምዕብል ሓደገኛ’ዩ። ንኹሉ ቀስ ብቐስ ስለ ዝለመድናዮ እንድዩ ድሕሪት ኣትሪፉና ዘሎ።” ኣብ ሓሳበይ ብምስምማዓ ዕግበት ተሰማዓኒ። “ደሓር እብለካ. . .” ዕላላ ቀጸለት። “. . . ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ወሲዶሙኒ። በቃ ምሸት ምድሪ ናብ’ዛ ስጅነይ።”“ተኣሲርኪ?”“ትኣሲረ ጥራይ። መስጣ ናይ’ታ

ከርተት እናበለት ዘዕበየትኒ ኣደይ ይወርደኒ ምህላዉ ሽዑ ተሰቊሩኒ። ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ኣርባዕተ መዓልቲ ምስ ገበርኩ ናይ ገንዘብ ዋሕስ

ክገብር ተሓቢሩኒ። መጀመርታ ናብታ ኣብ ምንዝርና ክኣትው ዝደፋፋኣትኒ ሸዊት መሓዛይ መልእኽቲ ሰዲደ። ክልተ መዓልቲ ተጸብየ መልሲ ዝብሃል ኣይረኸብኩን። ኣብታ ሽግር ዘጋጠመትኒ እዋን ሰብ ምዃን ኣብያትኒ። ብድሕሪኡ ናብቲ ፈለማ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ባር መልእኽቲ ብምስዳድ ዋና ተዋሒሱ ከውጽኣኒ ሓቲተዮ። ‘ብጽጋባ’ያ’ ብምባል ኣይተቐበለንን። በቃ ዝውሓሰኒ ስኢነ።”“ብኸመይ ድኣ ወጻእኪ?” “ዝግደሰለይ ሰብ ስኢነ ኣብ መዋጥር

ከለኹ ቀዳማይ ኣፍቃሪየይ ዳዊት ረዲኡኒ። ዓሰርተ ክልተ መዓልቲ ስለ ዝተኣሰርኩ ኣደይ ጎረባብቲ ክሕግዝኣ’የን ጸኒሐናኒ። ኣደይ ንዓይ ምውላዳ ብቓላ’ያ ዘይትገልጾ’ምበር ብልባ እንታይ ትብለኒ ውሽጠይ ወትሩ’ዩ ዝነግረኒ። ኩነታት ኣደይ እንተትርእዮ ከብድኻ ምበልዓትካ።”“እሞ ተማሂርኪ’ዶ?”“ግዜ’ዩ ቀስ ብቐስ ምሂሩኒ። እምበር

ሽዑ’ውን ኣይተማሃርኩን።”“እዋእ!” ስንባደይ ገለጽኩ።“ዳዊት ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ

ኣውጽኣኒ እንታይ ኢሉኒ መስለካ? ንናብራን ሓዳርን’የ ቀሪበኪ። ንስኺ ግና ገና ንእስነት ኣይበለየልክን።” ብምባል’ዩ ገዲፉኒ ከይዱ። “ሽዑ’ውን ስለ ዘይተማሃርኩ ናብ ዝኸፍአን ዝበኣሰን መከራ ወዲቐ።” ሃንደበት ተነኽኒኻ በኸየት።

ይቕጽል

ጸጋብርሃን ጎይትኦም

መንሱር ናፍዕ

Page 6: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደ

እ ቲ

ውልዶ

ወናም ድምጻዊ ኣብርሃለይ

ሓጎስ፡

ባዕለይ’የ ዝፈልጦ ዘለኽዎ፡

ዘርእስታ ባህላውን ዘመናውን

ፍቕራውን ማሕበራውን

ዝሓቖፈት ሓዳስ ኣልቡም ኣብ

ቀረባ እዋን ክትዝርጋሕ

ምዃና ነበስር!!

ብስራት ነፍቀርቲ ሙዚቃዞባ ማእከል ኣስመራ

ሽዋረጋሽ ገብረማርያም ሃይለ

ምባል ተሪፉ፡ ሽዋ ገብረማርያም

ሃይለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ

ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡

ን2/10/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ

መጋባኣያ ይቕረብ።

ባና ሃይለሚካኤል ምባል ተሪፉ፡

ኣይዳ ሃይለሚካኤል ተባሂሉ

ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም

እንተሎ፡ ን2/10/13 ኣብ 2ይ ቤ/ፍ

3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ህጻን ሲዶን ብርሃነ መሓሪ

ብወለዳ 1.ኣቶ ብርሃነ መሓሪ

2.ወ/ሮ ኣኽበረት ተኽለ ኣቢላ፡

ሲዶን ብርሃነ መሓሪ ምባል ተሪፉ፡

ሶሱና ብርሃነ መሓሪ ተባሂሉ

ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም

እንተሎ፡ ን31/10/13 ሰዓት 8፡00

ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ

ቁ.39 ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣኽርያ

ወ/ሮ ኣልማዝ ከበደ ከልካይ፡ በዓል ቤተይ ተጋ/መሓመድ ብርሃነ ስራጅ ኣሕመድ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/10/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ዓንሰባ ከረን

ዮሴፍ ኣብርሃ ተስፋማርያም ምባል

ተሪፉ፡ ዮሴፍ ኣብርሃ ተኽለማርያም

ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/9/13 ኣብ

ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሰላዕ ዳዕሮ

ሓዳስ ኣስፍሃ መሓረና፡ ወደይ ፍቓዱ ኪዳነ መብራህቱ ስለዝሞተ፡ ውላድ የብሉን ኣይተመርዓወን ኣቡኡ ምዉት እዩ ስለዚ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/10/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ፈውሊና ንኡስ ዞባ ሞልቂ

ኣቶ ዓንዶም ተስፋኡ ወልደሚካኤል፡ ኣቦይ ተስፋኡ ወልደሚካኤል ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/10/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣውህነ

ወ/ሮ ብሪሚዜን ካሕሳይ ጋይም፡ ወለድና ካሕሳይ ጋይም ተስፋዝጊን ሓጉሽ ምሓሪ ሳህሊን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይን 6 ተተካእቲ ደቂ ስውኣት ኣሕዋተይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/10/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ መንደፈራ

ኣቶ ክብሮም ፍስሃየ ፋርስ

ምባል ተሪፉ፡ ክብሮም ፍስሃየ ኪዳነ

ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/9/13 ኣብ

ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ባጽዕ

ምም/02

ልዕልቲ ገብረኪዳን ገብረሙሴ፡ መሓመድ ዓሊ ናብሉ ስለዝሞተ፡ 6 ደቁ ጥራይ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/10/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ንካልኣይ ግዜ ምልክታ

ሚኒስትሪ ዜና ናይ ኤለትሪክ ገመድን ንጽገና ዘገልግሉ መሳርሒታት ኣጫሪቱ ክዕድግ ስለዝተደልየ፡

ግዱሳት ተጫረትቲ ይዕድም፣

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም፦

1. ናይ 2011 ወይ ናይ 2012 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ

2. ተጫረትቲ ምልክታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ኣብ

ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ዝርዝር ወረቓቕቲ ኣብ ቁጽሪ ገዛ

14 ክወስዱ ይኽእሉ፣

3. ተጫረትቲ መኽበሪ ጨረታ 5000 ሽሕ ናቕፋ ብካሽ የትሕዙ፣

4. ሳንዱቕ ጨረታ እዚ ምልክታ’ዚ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት

ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት የቕርብ፣ ንጽባሒቱ ሰዓት 10፡00 ቅ.ቀ

ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት፣

ትካልና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብምሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ

እዩ።

ሚኒስትሪ ዜና፡ ቁጽሪ ገዛ 14

ቴሌፎን 201820

Page 7: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 7

ካልእ ኣብ ቁሸት ተጋደልቲ ምርኢት ዘቕረበት ማሕበር፡ ማሕበር ተጋደልቲ ክፍሊ ወተሃደራዊ ሃንደሳ እያ። ኣብ እዋን ገድሊ፡ ኣድማዕነት ተቐበርቲ ነተጕቲ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ከተማታት፡ ኣብ ናይ ሓመድን ቅጥራንን ጽርግያታት፡ ኣብ ዕርድታትን መዓስከራትን ጸላኢ ነተጕቲ ከቢድ ሰባውን ንዋታውን ክሳራ ኣውሪዶም እዮም።

ተጋዳላይ ጸጋይ ተወልደ (ወዲ ብርጅዋ) ኣባል ማሕበር ተጋደልቲ ወተሃደራዊ ሃንደሳ እዩ። ንሱ ማሕበሮም ድርብ ዕላማ ሒዛ ከምዝመጸት እዩ ዝገልጽ። በቲ ሓደ ወገን ክፍሊ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ህዝባዊ ግንባር ካብቶም ንጸላኢ ዓቢ ክሳራ ብምውራድ፡ ኣብ ደምበ ጸላኢ ራዕድን ሽበራን ፈጢራ ሞራል ስርዓት ደርግ ባይታ ዘዝበጠት ክፍሊ ውድብ ምዃና ንምግላጽ፣ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ እዚ ቅያ’ዚ ሳላ እቶም ደኺምና ዘይብሉ፡ ንሞት ዘይፈርሁ፡ ኣብ ኣፍንጫ ጸላኢ ቀሪቦም ሰብን ንዋትን ጸላኢ ኣዕንዮም ሕቖ ሰውራ ዘደልድሉ ውፉያት ተጋደልትን ሓፋሽ ውድባትን ከምዝተረኽበ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንበጻሕቲ ንምግላጽ እዩ። ወዲ ብርጅዋ ንኣገዳስነት ነተጕትን ዓይነታቶምን እናጠቐሰ፡ ንነጋድያን ቁሸት ተጋደልቲ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ብኽልቲኡ ወገናት ንዝተቐብሩ’ሞ ከይተራእዩ ዝተረፉ ነተጉቲ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከየውርዱ ምእንቲ፡ ነዚ ኣጋጣሚ ናይ ፈስቲቫል ተጠቒሞም ኩሉ ዜጋ ካብ ሓደጋ ነተጉቲ ብኸመይ ከም ዝከላኸልን ጥንቓቐ ከምዝገብርን ኣስተምህሮን ጎስጓስን የካይዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ተጋዳላይ ዮውሃንስ እምባየ ኣባል ማሕበር ተጋደልቲ ወተሃደራዊ

ቁሸት ገድሊ ኣብ ቁሸቱሳሙኤል ገብረኣዶናይ

ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል

ሃንደሳ እዩ። ንሱ፡ ክፍሊ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ኣብ ሜዳ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ነተጕትን ሳዕቤናቶምን ዘረድእ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ትምህርትን መጽናዕትን ትካል ዝነበሮ፡ ንኣተኻኽላን ሳዕቤናትን ነተጕቲ ዝገልጹ ናይ መምሃሪ ጽሑፋት ብምሕታም ድማ ኣፍልጦ ተጋዳላይ ኣብ ነተጉቲ ከምዘዕበዮን ብምሕባር፡ ሳላ እቲ ዘየቋርጽ ስልጠና ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ከምዘውረደ ሓቢሩ። ንሱ፡ ተጋደልትና ተባላሓትቲ ምዃኖም ንምርዳእ ክልተ ኣብነታት ኣቕሪቡለይ። ብሓርኮትኮት ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ ዝተሰርሓ ደንደን ዝስማ ጸረ መኪና ፈንጅን ሓንቲ ነተጉቲ እትፍትሽ መሳርሒትን። እዚ፡ ካብቲ ብዙሕ ውሑድ መርኣያ ተባላሓትነትን ጻዕርን ገድልና ምዃኑ ድማ ገሊጹ።

ማሕበር ተጋደልቲ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ እዋን ገድሊ፡ ክፍሊ ዜና ዘካይዶ ንዝነበረ ንጥፈታት ዘረድእ ስእላዊ ምርኢት፡ ኣብቲ እዋን ብግብሪ ዝስርሓሎም ዝነበረ ደረቕን ተንቀሳቐስትን ካመራታት፡ እታ ንፈለማ ግዜ ናብ ሜዳ ዝኣተወት ኮምፒዩተር፡ ኮታ ንሓፈሻዊ ታሪኽ ማሕተምን ስነዳን ህዝባዊ ግንባር ዘጕልሕ ምርኢት ሒዙ’ዩ ኣብ ቁሸት ተጋደልቲ ፈስቲቫል ደቀምሓረ ቀሪቡ። በቲ ዘቕረቦ ናውትን ስእላዊ መግለጽን ድማ ካብ በጻሕቲ ዓቢ ኣድናቖት ኣትሪፉ። በቶም ገለጽቲ ዝውሃብ ዝነበረ መብርሂ ከኣ ንተዓዛቢ ዘዕግብን ድሕሪት ዝመልስን ነይሩ።

ተጋዳላይ ኣሰፋው ጸጋይ ካብቶም

ንሚስትሪ ዜና ወኪሎም መግለጺ ዝህቡ ዝነበሩ ሓደ እዩ። ንሱ ኣብ 70ታት ታይፒን ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ኣብ ክንድኡ ጭፈታ ብዝመስል ብርዒ እናተጠቕሙ ብኢዶም እናተበራረዩ ይጽሕፍዎ ከም ዝነበሩ፡ ኣብነታት እናቕረበ ንምረት እዋን ገድሊ ኣረዲኡ። እታ ናይ ፈለማ ሕትመት ኣብ 1973 ኣብ መጽሄት ፊተውራሪ ዝወጸት ጽሕፍቲ፡ ንፊልም ሰውራና ዝቐረጸት 60 ሚሊሜተር ካመራ፡ ሽዑ ትሑት ዓቕሚ ዝነበረን ደረቕ ስእሊ ዘልዕላ ካሜራታት ከም ኣብነት እናርኣየ፡ ንተዓዘብቲ ምስ ቅርሲ ሰውራና ኣላልዩ። ንሱ፡ ዓቕሚ እቲ ኣብ ኢድ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒ ኣዝዩ ትሑት ብምንባሩ፡ ምህዞን ተባላሓትነትን ተወፋይነትን ተጋደልቲ ይሓትት ከምዝነበረ ከኣ ኣብሪሁ። ደረቕ ስእሊ ዘልዕላ ካሜራታት ርሕቕ ንዝበለ ቦታ ክስእላ ዓቕሚ ስለ ዝሓጽረን፡ ተጋደልቲ ሰኣልቲ ንዓውደ ውግኣት ብቕርበት ከልዕሉ ክሳብ 26 ዝኾኑ ጀጋኑ ከምዝተሰውኡ’ውን ኣዘኻኺሩ። ሕትመት ኣብ ሜዳ ቀስ ብቐስ ከምዝተኣታተወ፡ ቅድሚኡ ግን ደረቕ ስእሊ ኣብ ሶማልያን የመንን፡ ተንቓሳቓሲ ፊልም ድማ ኣብ ኢጣልያ ከይዱ ይሕተም ከምዝነበረን ድማ ኣረዲኡ። ተጋዳላይ ኣሰፋዉ፡ ህዝባዊ ግንባር ብኹሉ መለክዒታት ኣብ መሳርሒታቱን ዜናዊ ኣተሓሕዛኡን ውርጹጽን ምዕቡልን ከም ዝነበረ ንተዓዘብቲ

እቲ ቁሸት ብኣንክሮ ገሊጹ።ኣብ ቁሸት ተጋደልቲ ፈስቲቫል

ደቀምሓረ ተዓዛቢ፡ ኣብዚ ውሱን ምርኢት፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ናይ ርእስኻ ምኽኣል መትከል ብጭቡጥ’ዩ ኣስተብሂሉ። እዚ ድማ ብኹለን ኣካላት ውድብ እንተላይ

ብኽፍሊ ዜና፡ ነዚ ሓሳብ ዘህጥር ግብራዊ ኣብነት ስለዝቐረበ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ተጋዳላይ መስፍን ተስፋይ ክገልጽ እንከሎ፡ “ኣብ እዋን ገድሊ ብርግጽ ሕጽረት መሳርሒታት ነይሩ እዩ። ነዚ ዝድርዖ ግን እቲ ኣይክኣልን’ዩ ዘይወጾ፡ ተባላሓትን ውፉይን ዓቕሚ ሰብ እዩ። ሳላ እዚ ብሉጽ ጠባይ ድማ ክቡር መስዋእቲ ብምኽፋል ህያው ሰነድ ክንረክብ ክኢልና ኣለና” ኢሉ። ተጋዳላይ መስፍን ብምቕጻል፡ “ከምዚ ሎሚ ዲጅታል፡ ካሴት፡ ማይክሮፎን መቕረጽን ኣብ ሓደ ተጠሚሩ ብስጥመት ዝጉዓዘሉ መሳርሒ ኣይነበረን። እታ ካሴት ዘለዋ ኣካል ሓደ ተጋዳላይ ይሕዛ፣ ነታ ትቐርጽ ድማ ካልእ ይጾራ። እናተጓተቱ’ዮም ዝኸዱ ነይሮም” ብምባል ክሳብ

ክንደይ ሕጽረት መሳርሒ ከም ዝነበረ ብግብሪ ኣረዲኡ። ንሓንቲ ናይ ስርዓት ሃይለስላሴ ነይራ ድሕሪኡ ናብ ስርዓት ደርግ ዝሰገረት’ሞ ኣብ 1977 ኣብ ዶጎሊ ዝተማረኸት ካመራ ድማ ከም ቅርሲ ኣላልዩ።

ብዘይካዚ’ውን ንኣመሰራርታ ረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ብምግላጽ፡ ድምጺ ሓፋሽ ብሰንኪ ደብዳብን ከቢድ ዕፈናን ቦታ ትቕይር ከም ዝነበረት፡ ይኹን’ምበር ንሓንቲ ደቒቕ እውን ትኹን ድምጻ ከምዘየቋረጸ ኣብሪሁ። ፈለማ

ኣብ ንእሽቶ ቴንዳ ኣብ ፋሕ ብ 1ጥሪ 1979 ፈነወ ከምዝጀመረት፡ ድሕሪኡ ናብ ዓምበርበብ፡ ዓራግ፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ድማ ኣብ ዝባን ሃገር ከም ዘሕለፈቶ ከኣ ኣረዲኡ። እቲ ብትግርኛን ዓረብን ዝጀመረ ፈነወኣ ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ከም ዘስፍሓቶ፡ ዕፈና ንምቁጽጻር ድማ ካልአይቲ ረድዮ ብምትካልን ሜትር ባንድ ብምቅይያርን ደሃያ ናብቲ ሃንቀው ኢሉ ዝጽበያ ዝነበረ ህዝብን ተጋዳላይን ተብጽሕ ከምዝነበረት ድማ ተንቲኑ።

ቁሽት ተጋደልቲ ኣብ ፈስቲቫል ከተማ ደቀምሓረ፡ ዋላ እኳ ብውሑድ መጠን እንተቐረበ፡ በቲ ንኽዕዘቦ ዝውሓዘ ህዝብን ኣብ መዝገብ ርእይቶ ዝተሰንዘረ ሓሳባትን ዕላማኡ ወቒዑ እዩ። ነታ ኣብ ሜትሮታት ዝተደኮነት ንእሽቶ ቴንዳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነታ ኣብ ኪሎሜተር ዘስተርሓወት ቁሸት ባህሊ’ውን ክብርን ትርጉምን ዘውህብ ሕላገት ኮይኑ’ዩ ቀንዩ። ታሪኽ፡ ተረኽቱን ፈጸምቱን እናውሓዱ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ ልክዕነቱ ናብ ጽውጽዋይ ናይ ምቕያር ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዚ፡ እዚ ዘሐብንን ዘነየትን ታሪኽ ገድልን ምግዳልን፡ ሃገራዊ ግምጃና ኣብ ምስሳንን ኣብ ምኹላዕን እምነ ኵርናዕ ብምዃኑ፡ ኣብ ኩሉን ብኹሉ መዳያትን ዝስነደሉን ዝዕቀበሉን መገዲ ሃሰው ክንብል ግዜኡ ዝጠልቦ እዋናዊ ሕቶ እዩ። ኩሎም እቶም ብሰንኪ ሕጽረት ባጀትን ሓቤረታን ኣብዚ ፈስቲቫል 2013 ዘይተሳተፉ፡ ኣብ መጻኢ ሕጽረታቶም ተመሊኡ ብዝሰፍሐን ዝዓሞቐን መገዲ ነባሪ ውርሲ ከቕርቡ ክተባብዑ ይግባእ።

Page 8: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 8

ዮሴፍ ሃይለማርያም

ተመራመርቲ ፍርያምነት፡ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ገለ ደቀንስትዮ ዘጋጥም ተደጋጋሚ ምንጻል ጥንሲ እንታይ ምዃኑ ከምዝፈለጡዎ ሓቢሮም። ክሳብ ሎሚ ሓንቲ ኣደ ንምንታይ ብተደጋጋሚ ምንጻል ጥንሲ ከጋጥማ ምጽንሑ ከይተፈልጠ’ዩ ጸኒሑ። ተደጋጋሚ ምንጻል ጥንሲ ንምግታእ ነተን ብዙሕ ግዜ ጥንሲ ዝኸደን ደቀንስትዮ፡ ‘ስተሮይድ’ ዝተባህለ ኣብ ኣካላት ምንቕቓሕ ዝፈጥር ቀመማዊ ነዝዒ ተወሳኺ ‘ንሃበንዶ ኣይንሃበን’ ዝብል ሓሳብ ንተመራመርቲ ኣብ ምጉት ኣእቲዩዎም ዝጸንሐ ምዃኑ’ውን እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብተመራመርቲ

ዩኒቨርሲቲ ዋሪክ - ዓባይ ብሪጣንያ

ንሕማም ወቕዒ ዝተቓልዐ ሰብ ብቐሊሉ ብኣዒንቱ ክፍለጥ ከምዝከኣል ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እቲ መጽናዕቲ ብዩኒቨርሲቲ ሲንጋፖር ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ኣዒንትና ኣብ ሓደጋ ሕማም ወቕዒ ምውዳቕና ዝሕብር ዝበለጸ ኣፍ-ደገ ምዃኑ ኣመልኪቱ። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ብሓገዝ ናይቲ

ኣብ ግዜ ምርኣይ ኣብ ረቲና (ዳሕረዋይ ክፋል ዓይኒ) ዝፍጠር መሰለት (ኢሜጅ) ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ ሕማም ወቕዒ ከማዕብል ድዩ ኣየማዕብልን ኣብ ምውሳን ክሕግዝ ምዃኑ ኣባላት ናይቲ መጽናዕታዊ ጉጅለ

ገሊጾም። ኣብ ሲንጋፖር ወቕዒ ራብዓይ ዝበኣሰ ቀታሊ ሕማም ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ረቲና ብርሃን ዝቕበልን ዓይኒ እንታይ ዓይነት

ስእሊ ይርኢ ከምዘሎ ብመገዲ ሰራውር ደም ሓበሬታ ንሓንጎል ዝመሓላልፍን ዳሕረዋይ ክፋል ዓይኒ’ዩ። እቲ ኣብ ረቲና ዝፍጠር ስእሊ ድማ ዘይተለዋዋጥን ንሰራውር ደም ረቲና ብዝቐለለ መርመራ ክትገብረሉ ዝሕግዝን ስለዝኾነ፡ ሕማም ወቕዒ ብኣጋኡ ኣብ ምልላይ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ተማራማሪ ገሊጹ።ዕድመ፡ ጾታ፡ ዓሌት፡ ደረጃ ኮሎስትሮል፡

ዓቐን ሽኮር ኣብ ደም፡ ግዝፊ ኣካላትን ምትካኽን ዋላ’ኳ ብዝወሓደ ዓቐን እንተኾኑ

ተመራመርቲ ባሕሪ፡ ኣብ ምብራቓዊ ማያት ኢንዶነዥያ፡ ኣብ ክንዲ ብምሕንባስ ብዕንክይክይ ዝጐዓዙ ሓደስቲ ዓሌት ሻርክ ከምዝረኸቡ ሓቢሮም። እቶም ሸገ ቅርጺ ኣካላት ዘለዎም ዓሌት ሻርክ፡ በቲ ኣብ ኣፍልቦምን ጎሎኦምን ዝርከብ ከም መሐንበሲ ዘገልግል ክንፊ ንቕድሚት እናተደፍኡ’ዮም ብምንፉሓኹ ዝንቀሳቐሱ። ግዝፎም ንኣሽቱ ስለዝኾኑ ድማ፡

ኣብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስግኣት ዘውርዱ ከምዘይኮኑ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም። እቶም ሓደስቲ ዓሌት ዓሳ፡ ቡናዊ ነጠብጣብ ሕብሪ ቆርበት

ኣብ ጸሓያዊ ስርዓት ዝርከቡ ኮመት (ጭራ ዘለዎ ኮኾብ) ን ካልኦት ኣብ ጠፈር ዝንቀሳቐሱ ነገራትን፡ ሂወት ንኽትጅምር

ዝሕግዙ ቀመማት (ኢንግሪደንትስ) ከምዝስከሙ ተመራመርቲ ሓቢሮም። እቶም ብሪጣንያውያን ኣመሪካውያንን ጉጅለ ተመራመርቲ ነዚ ዝገለጹ፡ ኣብ ምርምሮም ምግጫው ኮመትን ፕላኔትን ‘ኣሚኖ ኣሲድ’ ዝተባህለ ንህይወት ዘቕውም ኣገዳሲ ‘ሳብስታንስ’ ክምስራሕ ከምዝኽእል ድሕሪ ምርግጋጾም ምዃኑ ገሊጾም። ብመሰረት’ቶም ተመራመርቲ፡ ኣሚኖን

ኣሲድን ንህይወት ኣቚሞማ ካብ ዘለዉ ‘ሳብስታንሳት’ ኮይኖም፡ ክልቲኦም ሓቢሮም ኣካላት ህይወታውያን ንኽዓብዩ ዝሕግዝ ፕሮቲን ዝፈጥሩ’ዮም።እቶም ተመራመርቲ፡ ህይወት ኣብ

ምፍጣር ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ዝገልጽዎ ኣሚኖ ኣሲድ፡ በረዳዊ ኮመት ምስ ፕላኔት ወይ ከውሓዊ እምኒ ሜትዮር ምስ ተጋጨወ ዝፍጠር ከምዝኾነ ይገልጹ።

“ጠንቂ ተደጋጋሚ ምንጻል ጥንሲ በሪሁልና” ተመራመርቲ

ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ ቀመም ስተሮይድ ጠንቂ ምንጻል ጥንሲ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ እቶም ክኢላታት ሓቢሮም። ንሳቶም ኣብ ምርምሮም፡ ትሑት ዓቐን ቀመም ‘ስተሮይድ’ ብኸመይ ናብ ምንጻል ጥንሲ ከምዘቃልዕ ዝሕብር መረዳእታ ከምዝረኸቡ ኣረዲኦም። ኣብ እንግሊዝ ካብ ሸውዓተ ነፍሰ-

ጾራት እታ ሓንቲ ምንጻል ጥንሲ የጋጥማ። ካብ ሚእቲ ነፍሰ-ጾራት ድማ እታ ሓንቲ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ምንጻል ጥንሲ ከምዘጋጥማ እቶም ክኢላታት ይገልጹ። ተደጋጋሚ ምንጻል ጥንሲ ኣብታ ኣደ ልዑል ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ጓሂን ከምዝስዕበላ እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ።

ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሞያውያን፡ ኣብ መጽናዕቶም እቲ ኣብ ማህጸን ጓለንስተይቲ ብልዑል መጠን ዝርከብን ኣብ ምክልኻል ጸረ-ነፍሳት ዝነጥፍን ‘ስተሮይድ’ ዝተባህለ ነዝዓዊ ዋህዮ ጠንቂ ምንጻል ጥንሲ ኮይኑ ከምዝረኸቡዎ ይገልጹ። ኣቐዲሙ ብገለ ተመራመርቲ ነዝዓዊ ዋህዮ ‘ስተሮይድ’ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ይከላኸል’ዩ ዝብል እምነት ከምዝነበረ ጠቒሶም፡ ሕጂ ግን እቲ ቀመማዊ ዋህዮ ብኣንጻሩ ምንጻል ጥንሲ ዘስዕብ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ሓቢሮም። ብኸመይ ምንጻል ጥንሲ የኸትል ግን ዛጊት ንጹር መረዳእታ ከምዘይረኸቡ ብተወሳኺ ኣብሪሆም። ልዑል መጠን ስተሮይድ ምንጻል

ጥንሲ ስለዘስዕብ፡ ኣደታት ምንጻል ጥንሲ ንምክልኻል ቀመም ስተሮይድ ዓዲገን ከይጥቀማ ከኣ ኣኽሪሮም ኣተሓሳሲቦም። ንሳቶም ኣብ መወዳእታ ውጽኢት

መጽናዕቶም ነቲ ንነዊሕ ግዜ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ ክትዓትን ዘይምስምማዕን ኣኸቲሉ ዝጸንሐ ኣገዳስነትን ጉድኣትን ስተሮይድ ኣብ ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ኣደ ዘነጸረ ብምዃኑ፡ ንቐጻሊ መድሃኒት ኣብ ምርካብ ኣመና ከምዝሕግዝ ገሊጾም።

“ንወቕዒ ዝተቓልዐ ሰብ ብኣዒንቱ ክፍለጥ ይከኣል’ዩ”

ተመራመርቲ ካብ ጠንቅታት ሕማም ወቕዒ ምዃኖም’ዮም ዝግለጹ። ኣብ መላእ ዓለም እቲ ቀንዲ መሐበሪ ሕማም ወቕዒ ግን ልዑል ጸቕጢ ደም ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። እዚ ክንሱ፡ ሓካይም ኣየናይ ልዑል ጸቕጢ ደም’ዩ ሰባት ንሕሙማት ሕማም ወቕዒ ከምዘማዕብሉ ዝገብሮም ዘሎ ዛጊት ከለልዩዎ ከምዘይክኣሉ’ዩ ዝግለጽ። እቶም ተመራመርቲ፡ ምርምሮም

ኣብቶም ንኣስታት ዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት ልዑል ጸቕጢ ደም ዝነበሮም 2,907 ሰባት ዘካየዱዎ ኮይኖም፡ ነዞም ሰባት ክንደይ ግዜ ሕማም ወቕዒ ከምዘጋጠሞም መጽናዕቲ

ኣካይደምሎም። እቶም ሰባት ቅድሚ’ቲ ዝተኻየደሎም መጽናዕቲ ወቕዒ ዝበሃል ዘየጋጠሞም’ዮም ገሊጾም ነይሮም። ንመጻኢ ተኽእሎ ሕማም ወቕዒ ከጋጥሞም ድዩ ኣየጋጥሞምን ንምልላይ ድማ ነፍሲ-ወከፎም ኣብ ረቲናኦም ንዝተፈጥረ ስእሊ ከምዝውሰደሎም ተገይሩ። ብድሕሪዚ፡ ኣብ ሰራውር ደም ናይ

ረቲናኦም ዝፍጠር ዕንወት ንምፍላጥ ኣብቲ ዝተላዕለ ስእሊ መርመራ ተኻይዱሎም። በዚ መሰረት እቶም ኣብ ሰራውር ደም ናይ ረቲናኦም ፈኲስ ማህሰይቲ ዝወረዶም ሰባት ሕማም ወቕዒ ከማዕብሉ ዘለዎም ተኽእሎ 35 ሚእታዊት ክኸውን ከሎ፡ እቶም ኣብ ረቲናኦም ማእከላይ ወይ ብርቱዕ ማህሰይቲ ዝወረዶም ድማ እቲ ተኽእሎ ሕማም ውቕዒ ናብ 137 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ከምዝተረኽበ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እቶም ተመራመርቲ፡

ሓደ ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎ ሰብ ኣብ ሰራውር ደሙ ረቲና ብዝፍጠር ማህሰይቲ፡ ሕማም ወቕዒ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ብምምልካት፡ ኣብ ረቲና ዝፍጠር መሰለት (retinal imaging) ኩነታት ሰራውር ደም ረቲና ብዝቐለለ ዝሕብር ስለዝኾነ፡ ኣብ ረቲና መርመራ ገይርካ ጥራይ ተኽእሎ ምምዕባል ወቕዒ ብኣጋኡ ምፍላጥ ከምዝከኣል ኣረዲኦም። ዛጊት ተረኺቦሞ ብዘሎ ውጽኢት፡

ንመጻኢ ብፍላይ ኣብቶም ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባት ሕማም ወቕዒ ብኣጋኡ ኣብ ምክልኻል ከምዝሕግዝ ብምሕባር ከኣ፡ ምርምሮም ብዝያዳ ከዕምቑዎ ምዃኖም ሓቢሮም።

ኮመትን ፕላኔትን፡ ምኽንያት ምጅማር ህይወታውያን?እቶም ጉጅለ ተመራመርቲ ብተወሳኺ፡

ክልተ ብበረድ ዝተሸፈና ወርሒታት ብምድላው፡ ሓንቲ ኣብ ቅናት ፕላኔት ሳቱርን እታ ሓንቲ ድማ ኣብ ቅናት ፕላኔት ጁፒተር ከምዝዞራ ብምግባር፡ እዘን ጽምዲ ወርሒታት ምስ እምኒ ሚትዮር እንተድኣ ተጋጭየን ኣሚኖ ኣሲድ ከምዝፈጥራ ኣብቲ ዘካየዱዎ ፈተነ ክርድኡ ከምዝኽኣሉ ሓቢሮም።እቲ ውጽኢት ብሕጂ ኣብ ወርሕታት

ዝካየድ ምልክታት ህይወት ናይ ምድላይ ፈተነ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ እቶም ተመራመርቲ ተስፋኦም ገሊጾም።ብዘይካ’ዚ እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ፕላኔት

መሬት ብቐጻሊ ምስ ኮመትን እምኒ ሜትዮርን ምስ ተጋጨወት ብኸመይ ህይወት ቅድሚ ካብ 3.8 ክሳብ 4.5 ቢልዮን ዓመታት ኣብ ምድሪ ከምዝጀመረ ዝገልጽ ተወሳኺ ኣመት ዝሃበ ምንባሩ’ውን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብዕንክይክይ ዝጐዓዙ ሓደስቲ ዓሌት ሻርክ ዝውንኑ፡ ቁመቶም ድማ ክሳብ 68 ሰንቲ ሜትር ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ካብ ዓሌት ‘ባምቡ ሻርክ’ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ። ንሳቶም፡ እናሓንበሱ

ክንቀሳቐሱ ስለዘይክእሉ፡ ኣብ ምንጻፍ ባሕሪ እናተቐመጡ ዓንዲ ሕቖ ዘይብሎም እንስሳታትን ንኣሽቱ ዓሳታትን እናተመገቡ’ዮም ዝነብሩ። ርኽበት ናይዞም ብምንፍሓኹ

ዝንቀሳቐሱ ሓደስቲ ዓሌት ሻርክ፡ ኣድናቖትን ጠመተን ተመራመርቲ

ስሒቡ ዘሎ ኮይኑ፡ እቶም ቀዳሞት ኣብ መሬት ዝጐዓዙ ዝነበሩ እንስሳታት ብኸመይ ከምዝፈለቑ ኣብ ምጽናዕ ከምዝሕግዙ እቶም ተመራመርቲ ተስፋኦም ገሊጾም።

Page 9: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 9

ሳልማን ስራጅ

ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ዓምዲ ደብዳቤታት ኣንበብቲ ንምብራስ ኣግራብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሳን ጆርጆ - መንደፈራ ብዝምልከት ብኣቶ ሃይለማርያም ሃይለ ካብ ዋሽንግተን ዝተዋህበ ርእይቶ ተመልኪተ። ኣነ ብዝፈልጦ ግን ሳን ጆርጆ ኣግራባ ጥራሕ ኣይኮነን ዓንዩ። ናብቲ ቀንዲ ነጥበይ ቅድሚ ምእታወይ ድማ ብዛዕባ ታሪኽ’ዛ ቤት ትምህርቲ ኣሕጽር ኣቢለ ንኣንበብቲ ከቕርብ።ቤት ትምህርቲ ሳን ጆርጆ ብግዜ

ፈደረሽን ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትልወጥ ባይቶ ኤርትራ’ዩ ኣጽዲቑ። እቲ መእሰሪ ዝነበረ ናብ መምሃሪ ክቕየር ድማ ዘድሊ ገንዘብ ተፈቒዱ ክፍልታት ተሰሪሑ። ኣብቲ እዋን ንሚኒስትሪ

ኣብ ኣስመራ ከባቢ ቪላጆ ንዝካየድ ዘሎ ጽገና ጽርግያ ብዝምልከት’የ ክዛረብ። እቲ ጽገና መስመር ረሳሕ ማይ ንምዕራይ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ’ዩ ኣሕሊፉ። እቲ ስራሕ ክሳብ ሎሚ ክውዳእ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ድማ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ምዃኑ’ዩ ዝዝረብ። እዚ ኣብ ቀንዲ ጎደና ቪላጆ ተፋሒሩ ዘሎ ጽርግያ ንምንቅስቓስ መጐዓዝያ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ብጸላም ኣብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ህጉም ሓደጋ ዘጋጥሞም ነበርቲ እቲ ከባቢ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።ናይ ሎምዘበን ትምህርቲ ክጅምር

መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፡ እቲ ስራሕ ዛጊት ክዛዘም ዘይምኽኣሉ ዘቕስን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ምስ ምጅማር ትምህርቲ ኣብቲ መስመር ዝመላለሱ ተማሃሮ ብዙሓት እዮም። ቅልጡፍ

ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ብሸለልትነት ንዝስዕቡ ሓደጋታት ንምግታእ ዝካየድ ጻዕሪ ክሕይል ዘዘኻኽር ጽሑፍ ኣንቢበ። ድሕነት ህይወትን ንብረትን ምርግጋጽ ብቐዳምነት ዝስራዕ ኣገዳሲ ጉዳይ ብምዃኑ ብዛዕባኡ ዘለኒ ተወሳኺ ርእይቶ ክህብ። ብዓቢኡ ድሕነት ትራፊክ ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ኩለን ዞባታት ክዝተየሉን ኣስተምህሮ ክወሃበሉን ዝግባእ ኮይኑ፡ ብወገነይ ኣገዳስነት ንጹር ሰሌዳ ቁጽሪ (ታርጋ) ኣብ ድሕነት ትራፊክ ብዝምልከት’የ ክዛረብ።

ከምኡ ኣይኮንኩን ኢለብ15 ሓምለ 2013 ኣብ ዝተሓትመት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ዓምዲ

ደብዳበታት ኣንበብቲ ንስታድዩም መንደፈራ ብዝምልከት ብስመይ ዝወጸ ርእይቶ ኣሎ። እቲ ርእይቶ ግና ምስቲ ኣነ ዝጸሓፍኩዎ ፍልልይ ዘለዎ ኮይኑ’የ ረኺበዮ። ኣብቲ ንሕትመት ዝበቕዐ ርእይቶ መንድቕ ናይቲ ስታድዩም ክፈርስ ከምዝጀመረ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንምጽጋኑ ከም እተፈተነ ከምኡ’ውን ህዝቢ ከተማ መንደፈራ ኣብ ምጽጋን ናይቲ ስታድዩም እጃሙ ከበርክት ቅሩብ ምዃኑ ተጠቒሱ’ሎ። መናድቕ ናይቲ ስታድዩም “ድሮ ክፈርስ ጀሚሩ ኣሎ” ዝብል ዓረፍተ ነገር ብቐንዱ እቲ መንደቕ ሕጂ ይፈርስ ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር። ይኹን እምበር ወዮ ዝፈረሰ ተጸጊኑስ ካልእ ኮፍ መበሊ ከምእተሰርሐ’ዩ ኣብቲ ናባኹም ዝለኣኽኩዎ ጽሑፈይ ዘሎ። እቲ “ንምጽጋን ተፈቲኑ” ዝብል ከኣ ኣብ ጽሑፈይ የለን። ብዛዕባ’ቲ ህዝቢ ከተማ መንደፈራ “እጃሙ ከበርክት ድሉው’ዩ” ዝተባህለ ድማ ህዝቢ ኣበርክቶኡ መታን ከዕዝዝ ጎስጓስ ይገበር’የ ዝበልኩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ነቲ ጉዳይ ዳግማይ ኣይዘተየሉን።ካልእ ነቲ ስራሕ ብዓቢኡ ምምሕዳር ዞባ ሒዙዎ ክነሱ ኣብ መወዳእታ

ናይቲ ርእይቶ፡ “ምምሕዳር ከተማ ተበግሶ ይውሰድ” ተባሂሉ ምጽሓፉ፡ ትእዛዝ ስለዝመስል ኣብ ክንድኡ ካልእ ኣበሃህላ ምሓሸ። ብሓፈሻኡ፡ እቲ ርእይቶ ንኣንባቢ ናይ መዓስ’ዮም ዝዛረቡ ዘለዉ ዘብል እዩ። ስለዚ ኣዳለውቲ ዓምዲ ደብዳበታት ጽሑፍ ንምሕጻር ተባሂሉ ዝግበር ምትዕርራይ ምስቲ ጸሓፋይ ክብሎ ዝደለየ ፍልልይ ከምጽእ ስለዝኽእል ጥንቃቐ እንተትገብሩ ጽቡቕ ምኾነ እብል።

መም/ በላይ ኑርሕሸን - መንደፈራ

ኣብ ኣስመራ ጎደና ሓርነት ፊት ካቴድራል ኣብ ዝርከብ መጸበዪ ኣውቶቡስ ዘሎ ጽርግያ ልዕሊ ማርቻፔዲ ሓቢጡ ብምውጻእ ንተሽከርከርትን ኣጋርን ኣጸጋሚ ኮይኑ’ሎ። ብፍላይ ኣውቶቡስ ክትመጽእ ከላ ንምድያብ ኣብ ዝግበር ምድፍፋእ፡ እቲ ዝተነፍሐ ካትራመ ዓበይትን ቈልዑን ብምዕንቃፍ ጉድኣት ከስዕብ ልዑል ተኽእሎ’ዩ ዘሎ። ብተወሳኺ እቲ መንጒዱ ንላዕሊ ወጺኡ ዘሎ ጽርግያ ንምስሊ ናይቲ ከባቢ ብኣሉታ ጸልዩዎ ይርከብ።ንምዃኑ ምምሕዳር ዞባ ማእከል

ሆስፒታል ሰምበል ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ጥዕና ካብ ዝህቡ ትካላት ሃገርና ሓደ’ዩ። እዚ ሆስፒታል ብዝህቦ ዝተመሓየሸ ኣገልግሎት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝመጹ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት’ዩ ዘአንግድ። ኣብቲ ሆስፒታል ብዝነበረ ኣሰራርሓ፡ ሰሙን ምሉእ ዝረኣዩ ሕሙማት ሰኑይ ከም ዝምዝገቡ’ዩ ዝግበር። ሓደ ሓኪም ዝርእዮም ብዝሒ ሰባት ዉሱን ብምዃኑ ድማ፡ ሰኑይ ብለይቲ ሪጋ ሒዝካ ኣርፊድካ ዕድል ዘይትረኽበሉ እዋን ኣሎ።እዚ ኣገባብ ክረአ ዝደሊ

ሰብ መዓልታዊ ካብ ምምልላስ ዘድሕኖ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሰሙን

ኣግራባ ጥራይ ኣይኮነን በሪሱትምህርቲ ብምውካል ብ1956 ኣነ’የ ተረኪበዮ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብኣርባዕተ ኩርናዕ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣትክልቲ ተተኺሉ፣ ዓመት መጸ ሳዕሪ እናተሸጠ ከኣ ንመካየዲ ስራሕ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ይውዕል ነይሩ።እዛ ግሩም ጫካኣ ኣብ ዓይኒ ነባር

ተማሃሮኣ ዘይሃስስ ትዝታ ዝገደፈት ቤት ትምህርቲ ብዙሓት ሊቃውንቲ’ያ ኣፍሪያ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ናብ መዓስከር ተቐይራ ብምንባራ ድማ ፈጺማ’ያ ዓንያ። ድሕሪ ናጽነት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ክርከባ ከሎ ከኣ ከምቲ ዝተባህለ ካብ ኣግራባ ሓያሎ በሪሱ ጸኒሑ። ካብ ስደትን ገድልን ዝመጹ ነባር ተማሃሮኣ ክርእዩዋ ከለዉ ናይ ቅድም ብምዝካር ሕማቕ ስለዝስመዖም ከኣ ብዛዕባኣ ወትሩ’ዮም

ዝሓስቡ።ቤት ትምህርቲ ሳን ጆርጆ ግን

ኣግራባ ጥራሕ ኣይኮነን ዓንዩ ዘሎ። እቲ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዘገልገለ ህንጻታታ’ውን ኣዝዩ ብምእራግ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ጉድኣት ከየስዕብ ስክፍታ ኣሎ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ተኾስኲሶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለምን ዝነብሩ ዘለዉ ነባር ተማሃሮኣ ገንዘብ ኣዋጺኦም ክጽግኑዋ ብሃንቀውታ እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ። በዚ ኣጋጣሚ ቤት ትምህርቲ ሳን ጆርጆ ዘድሊ ጽገና ተገይሩላ ነቶም ኣብኣ ዝፈረዩ’ሞ ምእንቲ ኤርትራ ህይወቶም ዝበጀዉ ሰማእታት ክንዲ ሓወልቶም ኮይና ክሪኢ ዕድመ ክህበኒ ምንዮተይ እገልጽ።

መም/ እዮብ ኣርኣያ - መንደፈራ

ዝጀመረ ጽገና ጽርግያ ኣብ መፈጸምታ ይብጻሕ

ጽገና እንድሕር ዘይተገይሩሉ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ኣካላዊ ጉድኣት ከስዕብ ልዑል ተኽእሎ’ዩ ዘሎ። ንምዃኑ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ነቲ ዝጀመሮ ስራሕ ኣብ መወዳእታ ከብጽሖ ዘይከኣለሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?እቲ ዝተጀመረ ጽገና ኣብ እዋኑ

ክዛዘም ብዘይምኽኣሉ ብዙሕ ሳዕቤን’ዩ ዘለዎ። እቲ ኣብ ከባቢ ባር ቱርኮ ተፋሒሩ ዘሎ ጽርግያ ንመጓዓዝያ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ብምዃኑ፡ ተሽከርከርቲ ብኻልእ መስመር ክኸዳ ተገዲደን ኣለዋ። እቲ ዝሓልፋሉ ዘለዋ መንገዲ ድማ መስመራት ረሳሕን ጽሩይን ማይ ስለዘለዎ፡ ምስ ብዝሒ ምምልላስ ተሽከርከርቲ ክስበር ስለዝኽእል ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዝጀመሮ ስራሕ ብህጹጽ ክዛዝሞ አዘኻኽር።

ዮሴፍ ኪዳነማርያም - ኣስመራ

ህዝቢ እጃሙ መታን ከበርክትዝኾነት ተሽከርካሪት ሓደጋ

ምስእትፍጽም ብሰሌዳ ቁጽሪ’ያ ክትልለ ትኽእል። ይኹን እምበር ዝበዝሓ መካይን ሰሌዳ ቁጽረን ንጹር ስለዘይኮነ፡ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ክህቡ ዝደልዩ ሰባት ነተን ሓደጋ ዝፈጸማ መካይን ብሕብረን እዮም ዝገልጹወን። እዚ ዘይእኹል ሓበሬታ ድማ ፖሊስ ትራፊክ ነዘን መካይን ክከታተሉወን ከሸግሮም ይኽእል። ናይ ገሊኤን መካይን ቁጽሪ ሰሌዳ ከኣ ኣብ ርእሲ ምጭፍላቑ ብግቡእ’ውን ስለዘይእሰር ብሓደ ወገኑ ዘቢሉ’ዩ ዝረአ።

ቁጽሪ ሰሌዳ ንበዓል መኪና ክወሃብ ከሎ ኣብ ዝረኣየሉ ቦታ ክሰቕሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጥንቃቐ ክሕዞ ከምዝግብኦ’ውን ዘዛርብ ኣይኮነን። ብፍላይ ምስ ብዝሒ ምምስሳል ተሽከርከርቲ እቲ እንኮ መፍለዪ መካይን ቁጽሪ ሰሌዳ’ዩ። ስለዚ ኣብ ምክልኻል ሓደጋ ተሽከርከርቲ ኩሉ ብዓቕሙ መታን ክዋሳእ፡ ጉዳይ ታርጋ መካይን ቆላሕታ ክወሃቦ ይግባእ። ምናልባት ምሕዳስ ዘድልዮ እንተኾይኑ’ውን ክሕሰበሉ ጽቡቕ’ዩ። ተኽለኣብ ኢያቄም - ኣስመራ

ኣብ ልዕሊ ተጸበይቲ ኣውቶቡስ ጉድኣት ከየስዓበ ከሎ

እዚ ሓባጥ ጽርግያ እንታይ ክሳዕ ዝኸውን’ዩ ዝጽበ ዘሎ? ካልእ እንተተረፈ ኣብቲ ከባቢ መንጓድ ጽርግያ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ትራፊክ ዘይግበር? ብዓቢኡ ግን እቲ ተነፊሑ ዘሎ ጽርግያ፡ ግቡእ ጽገና ካብ ዘይምርካብ ዝሰዓበ ምዃኑ ምስትውዓል ከድሊ’ዩ። ስለዚ እቲ ጽርግያ ክጽገን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንደገና መታን ከይሓብጥ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣብ ዘካይዶ ዳግማይ ጽገና ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክሕዞ አዘኻኽር።

ኣለም ዘርአ ተስፋጊዮርጊስ - ምም/

ከባቢ ጸጸራት

ይበል ኣሰራርሓ ሆስፒታል ሰምበልሓደ ግዜ ክመጽእ ግን ናይ ግድን’ዩ። ኣብ ቀዳማይ ሰሙን እንተዘይሰሊጡዎ እንደገና ካልኣይ ምናልባት’ውን ሳልሳይ ሰሙን ሪጋ ክሕዝ ክግደድ ይኽእል። እቶም ክምዝገቡ ዝመጹ ሰባት ናብ ዝተፈላለዩ ሓካይም ከም ዝቐርቡ ዝግበር’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ግን እቲ ኣሰራርሓ ኣሳልጦ ኣይነበሮን። ሓሓሊፉ ዝግበር ምድንጋራት’ውን ኣይሰኣንን።ዝሓለፈ ሰሙን ናብቲ ሆስፒታል

ምስ ከድኩ ግን እቲ ኣሰራርሓ ተቐይሩ ጸኒሑኒ። ናብ ዝተፈላለዩ ሓካይም ዝረኣዩ ኩሎም ሕሙማት

ኣብ ክንዲ ሰኑይ ጥራይ ዝምዝገቡ፡ በብመዓልቱ ከምዝፈላለዩ ተገይሩ። ንኣብነት ናይ መጥባሕቲ ሰኑይ፡ ውሽጣዊ ሕማማት ሰሉስ፡ ናይ ዓይኒ፡ እዝንን ጎሮሮን ረቡዕ እናበለ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ፋሕ ከምዝብል ተገይሩ’ሎ። ብወገነይ እዚ ኣሰራርሓ ነቲ ዝነበረ ዕልቕልቕ ብምውሓድ ናይ ኣሰራርሓ ስሉጥነት ዘምጽእ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። በዚ ኣጋጣሚ ሆስፒታል ሰምበል በብእዋኑ ንዘተኣታትዎም ኣሰራርሓታት ዘለኒ ኣድናቖት ክገልጽ እፈቱ።

ኢብራሂም ሳልሕ - ከረን

Page 10: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 10

ጆሜ/ደጀን ተኽለ

ደብዳበ ፍቕሪ

ሕቶ ዝተመሳቐለ ቃላት

ንትኹል1. ዓይነት ማንካ2. ናይ ስፖርታዊ ክዳን3. ውሽጢ ዘይኮነ4. ማይ እንረኽበሉ መስመር5. ዝማሰነ6. ስዉኣት7. መግሓጢ ሓመድ9- ንጠየቕ 11- ንጽሑፍ ብውሽጥኻ ምድጋም13- ከብቲ16- ልቕሶ17- እምኒ18- ወናኒ ዝኾነ20- ኣብ ጀበና እትፈልሕ21- ኣብ ቅድሚ ኣብፍደገ ዘሎ ስፍሕ

ዝበለ መጽለሊ22- ጥውይዋይ23- ነግሀ24- ተጸግዐ፡ ጸግዒ ሓዘ26- ክትበጽሖ ዝወሰንካ መደብ27- ሕራይ ዝበልካዮ ___29- ሻድሸይቲ ወርሒ31- ሕብስቲ

ንጋድም1- መድሃኒት ዝሽየጠሉ3. ኣንጻር ሰሜን6. ካብ ዓበይቲ ኣዕዋፍ7. ኣቦ8. ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ10. ሰንደቕ12. ቈልዓ እግሪ ክተክል እንከሎ

እንብሎ13. ኮፍ መበሊ ኣብ ሃገረሰብ14. ኣብ ዳስ ዝትከል15. ቅርጻ17. ወሰናስን፡ ማይ ____20. ከም ንጋድም ቊጽሪ 2021. ኣይበጽሐን ተጸበ22. ንገዛ ካብ ማይ ዝከላኸለላ24. እንስሳ ዘገዳም25. ታሕታይ ዘይኮነ28. ተኻዕወ30. መሳርሒ ጀርዲነረ32. ጎበጠ፡ ተደፍአ33. ሰይጣን ንምባል እንጥቀመሉ34. ከም ___ ጸባን ይጸንብርኩም

መም ያቆብ መርሃዊ (ጃክ)

ተቐይርክኒእቲ ፍቕርና ከሰኒ ዝነፍስ ዝነበረ ዒፍዒፍታ ዝተሓወሶ ዛሕሊ ከም ቀደምና

ክንተሓቋቖፍ፡ ክንተሓላለ፡ ክንፋቐር ዝመኽረና ዘሎ ክመስል፡ ኣብ ማእከል ጽርግያ ዜማ ፋጻኡ እናቐያየረ መመሊሱ ሓየለ።ናፍቖት ልበይ መዝሙር ፍቕርኺ እናድሃየ፡ ንዘልኣለም ኣብ ጎነይ ክትህልዊ’የ

ዝብህግ። ማያት ባሕሪ’ውን ተጨንጉዖም ነቲ ኣብ ልዕሌኺ ዘለኒ ነቕ ዘይብል ፍቕሪ ባሕጉጎም ኣይወስድዎን’ዮም። ፍቕሪ እናጎደለ’ዩ ዝመልእ። ሰባት ስለ ዝኾና ኣብ መንጎና ፍጹምነት ክህሉ ኣይግባእን። ፍቕረይ ብዙሕ ክትምልስለይ ዝደልዮም ሕቶታት’ኳ እንተለው፡ ግዜ ክትብኒ

ስለ ዘይመረጽኪ ግን ነዛ ሓንቲ ሕቶ ተገዲስኪ መልስለይ። ስለምንታይ ‘ገጽካን ልምጽማጽካን ክርእየካ ኣይደልን’የ ኢልኪ?’ እታ ወትሩ እንራኸበላ ፍቕራዊት ጎደና ሰማያታ ኣድኒና ብልዑል ክብሪ እናተጸበየትና ከምኡ ምባልኪ ዘሕዝን’ዩ።ፍቕረይ፡ ሓይሊ ፍቕሪ ደረት ከም ዘይብሉ ካብ ትማሊ ሎሚ’ዩ ዝያዳ ነጺሩለይን

በሪሁለይን። እታ መጭበርበሪት ዓቕሊ እንጣጢዕ ነብሰይ ቃላትኪ ከም ዓንዴል እናመረርዋ ውሒጣ ክተኳማስዖም’ያ መሪጻ። ህርመት ልበይ ደው ክብል’ዩ ተፈሊጡኒ። ዕምቆት ኣባኺ ዘለኒ ፍቕሪ ሃፈጽትኡ እናንደደኒ ንኢሂን ምሂን ኣበደን ኢልኪ። በታ ልዕሊ ጭማራ እተድሚ ‘ደጊም ክርእየካ ኣይደልን’የ’ ትብል ቃልኪ ኣንፈተይ ኣጥፊአ ኣብ ዘለኽዋ ክኹርመ ግድነት ኮይኑኒ።ፍቕረይ ኣብ ልዕሌኺ ንዝፈጸምክዎ በደል ኣረዲእኪ ክትእርምኒ እምበር ጠንቂ

ምፍልላይና ዝኸውን ኣይመሰለንን። ምናልባት ክንፈላለ ስለ ዝመረጽኪ’ሞ ምኽንያት ስኢንኪ ኣልዕል ኣቢልኪ ትጥቅንኒ እንተለኺ ጽቡቕ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ፍቕርና ከም’ቲ ብድሌት ክልቴና ዝተሃንጸ ብድሌት ክልቴና’ዩ ክፈርስ ዘለዎ። ግና መጸበቒኺ ጥራይ ይግበሮ። እምበር ንዓይሲ ንስኺ እንተገፋዕክኒ ፈጣሪ ዓጸፋ ገይሩ ክኽሕሰኒ’ዩ። እንተ ልበይ ግን ንፍቕርኺ ንሓዋሩ ክትቀብሮ ዓቕምን ሓይልን የብላን።

ጆሜትራ ደጀን ተኽለ

ብዛዕባ ቻይና ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ሓንጐል ብዙሓት ዝመላለስ ነገር ሻሂ’ዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን። ሻሂ ፈለማ ክስተ ዝጀመረ ቅድሚ 5000 ዓመት ኣብ ሃገረ ቻይና’ዩ። ኣብ 600 ዓመት ቅ.ል.ክ ከኣ ናብ ጃፓን ተኣታትዩ። ሻሂ ናብ ኤውሮጳ ዝሰገረ ኣብ 1610 ብሆላንዳውያን ነጋዶ ኣቢሉ’ዩ። ኣብ 1657 ኣብ ቤት ቁርሲ ብሪጣንያ ሻሂ ክሽየጥ ጀሚሩ። ኣብ 1094 ከኣ ኣመሪካዊ ሸቃጢ ሻሂ ቶማስ ሱሊቫን፡ ሓደ ሰብ ጥራይ ክጥቀመለን ዝኽእል ኣብ ንኣሽቱ ጎማ ዝተዓሸጋ ቀጠፍ ሰሪሑ ክሸይጥ ጀመረ - ሊፕቶን ምዃኑ’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብብዝሒ ቆጽሊ

ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ነቶም ብ28 ነሓሰ 1963 ኣብ ሓወልቲ ኣብርሃም ሊንከን ተኣኪቦም ዝነበሩ 250 ሽሕ ሰልፈኛታት “ኣነ ገና ዘይተጋህደ ሕልሚ ኣለኒ” ክብል ውዕውዕ መደረ ኣስሚዑ ምንባሩ ይሕበር። ማርቲን ሉተር ብ15 ጥሪ 1929

ኣብ ኣትላንታ - ጆርጅያ ተወሊዱ። ኣቦኡ ቀሺ ማርቲን ሉተር ኪንግ (SR) ኣብታ ኣብ ኣትላንታ ትርከብ ቤተ ክርስትያን ኤቨን ኤዘር፡ ዓጣን ደብሪ’ዩ ነይሩ። ማርቲን ብስራሓት ኣቦኡ ተመሰጠ። ትምህርተ- ሃይማኖት ንምጽናዕ ድማ ናብ ዩኒቨርስቲ ቦስተን ኣምርሐ። ጸኒሑ ካብ ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ ናይ ዶክትረይት መዓርግ ረኸበ።ማርቲን ሉተር ብ25 ለካቲት 1948 ናይ

ቅሽና መዓርግ ለቢሱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኤቨን ኤዘር ድማ ተሓጋጋዚ ቀሺ ኮይኑ

ሻህን ጥቕሙን

ሻሂ እተፍሪ ሃገር ህንዲ’ያ። ድሒራ እትስራዕ ቻይና ኮይና ዓመታዊ 526 ሚልዮን ኪሎ ግራም ቀጠፍ ተፍሪ። ብዝሒ ቆጽሊ ሻሂ ናብ ሃገራ እትጠልብ ሃገር ብሪጣንያ’ያ - ዓመታዊ 180 ሚልዮን ኪሎ ግራም። ኣብ ብሪጣንያ ብገምጋም ኣብ ዓመት ሓደ ሰብ ዘህልኾ ቀጠፍ 3.2 ኪ. ግራም ይበጽሕ። ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን

ሻሂ ፍትው መስተ’ዩ። ቆጽሊ ሻሂ ኣብ ትሮፒካውን ሓውሲ ትሮፒካውን

ቦታታት ይበቈል። ኣብ ሓደ ሄክታር ክሳብ 7,500 ቆጽሊ ሻሂ ከኣ ክትዘርእ ይከኣል።

ምንጪ፦ Beijing Review

ሕማም ካንሰር ሰብነትና ብኣማኢት ሚልዮናት ዋህዮታት ዝቖመ’ዩ። ኣብ ነፍሲ- ወከፍ ደቒቕ ድማ ሚልዮናት ዋህዮታት ይሞቱን ብምዕሩይ ኣገባብ ድማ ብሓደስቲ ዋህዮታት ይትክኡ። ዘይንቡር ምርባሕ ዋህዮታት ድማ ናብ ሕማም ካንሰር የቃልዓና። ስለዚ ካንሰር ዘይተደልየ ብዙሕ ዝዓቐኖም ምርባሕ ዋህዮታት ንኣካሊት (ቱሹታት) ጥዕናና ከዕንው ምስ ዝጅምሩ ዝኽሰት ሕማም’ዩ። ኣስታት 100 ዝዓይነቶም ካንሰር ንደቂ

ሰብ የጥቅዑ ኣለው። እቲ ሕማም ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ ጠንቂ ሞት ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት’ውን እዩ። ካንሰር ንኣትክልትን እንስሳታትን’ውን የጥቅዕ’ዩ። ተመራመርቲ ጠንቂ ካንሰር ንምፍላጥ ሓያሎ መጽናዕትታት ኣካይዶምን የካይዱን ኣለው። እቲ ሕማም ብኸመይ ከም ዝምዕብል ግን ዛጊት ኣይበጽሕዎን ዘለው። ሕማም ካንሰር ዘስዕቡ ባእታታት ‘ካርሲ

ኖጀንስ’ ተባሂሎም ይጽውዑ። ቅጥራን፡ ኒከል (ብረታዊ ባእታ)፡ ፋብሪካ ኣጽዋር፡ ፋብሪካ ጥርሙዝ፡ ጽርጋወ። ኣስቤስቶስ (ሙቐት ዘሕልፉ ማዕድን) …ወዘተ ሕማም ካንሰር ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ተመራመርቲ ይሕብሩ። ካብ’ዞም ዝተጠቕሱ ነገራት ናጻ ብምዃን ካብ ሕማም ካንሰር ክትከላኸል ከም ዝከኣል ይንገር። ንኣብነት፡ ምትካኽ ሽጋራ ብምቁራጽ ካብ ናይ ሳንቡእ

ማርቲን ሉተር - ንመሰል ጸለምቲ ዝተቓለሰ ሓርበኛኣገልገለ። ብ18 ሰነ 1953 ምስ ኮረታ ስኮት ዝተባህለት ጓል ተመራዕዮም ኣርባዕተ ቈልዑ ወለዱ። ንሱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ 1954 ክሳብ 1968 ኣብ ኣመሪካ ብዘካየዶ ቃልሲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝያዳ ተወርየ። ኣብነት ማህተማ ጋንዲ ተኸቲሉ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእን መሰል ጸለምትን ድኻታትን ኣመሪካውያን ንምሕላውን ብዘይጐነጽ ቃልሱ ኣካይዱ።ማርቲን ሉተር ኪንግ እቲ ኣብ ልዕሊ

ጸለምቲ ዝወርድ ዝነበረ ግፍዕን ቅትለትን ከኽትም ዝዓላምኡ ሰብኣዊ መሰል ቃልሱ ዝፈለመ፡ ከም ፕረዚደንት ማሕበር ምምሕያሽ ሞንተጎመሪ ኮይኑ ኣብ ኣውቶቡሳት ከተማ ሞንቶጎመሪ ብጸዓዱ ኣመሪካውያን ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ንዝግበር ዝነበረ ኣድልዎን ኣደራዕን ኣብ ክፍላ 1950ታት ንዝተቓወሙ ኣድመኛታት መሪሑ ዝተዓወተ ሓበን ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝኾነ ፖለቲከኛ’ዩ።። ንሱ ኣብ 1957 ብዓወት ምንቅስቓስ ኣድማ ሞንቶጎመሪ ተተባቢዑ ጉባኤ መሪሕነት ደቡባዊ ክርስትያን መስረተ። ፕረዚደንት ናይቲ ማሕበር ኮይኑ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝካየድ ዝነበረ ዓሌታዊ ኣድልዎን ምውሳንን ዝምልከቱ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካየደ። ኣብ 30 ዝተፈላለዩ ፍጻሜታት ብሰንኪ ምስታፉ ድማ ብፖሊስ ኣመሪካ ተኣስረ።ኣብ 1965 ማርቲን ሉተር ኪንግ

ካብ ኣብ ኣላባማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት መሪሑ “ክንዕወት ኢና” እናበለ ብምጭራሕ ልቢ ሚልዮናት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ክሰልብ ክኢሉ’ዩ።። እዚ ሰልፊ’ዚ ከኣ ንጸለምቲ ኣመሪካውያን መሰል ናይ ምድማጽ ዘረጋግጽ ኣዋጅ 1965 ኣጐናጸፎም። ንሱ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሓያሎ ቃልስታት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ተሳቲፉ። ንኣብነት ነቲ ኣብ ኣባይቲ ዝርአ ዝነበረ ናይ ሕብሪ ቈርበት ኣድልዎ ምስ ብጾቱ ብምቅላስ ብኣዋጅ 1968 መሰል ጸለምቲ ከም ዝሕሎ ኣብ ምግባር ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ገበረ። ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ብ4

ሚያዝያ 1968 ኣብ መምፊስ ተነሲ (ኣመሪካ) ብዛዕባ ትሑት ደሞዝን ሕማቕ ኵነታት ስራሕን ብምቅዋም ንዝተኣከቡ ሰልፈኛታት ይመርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ተቐቲሉ። ንሱ፡ ንኽብሪ ሰብኣዊ መሰል ጸለምቲ ኣመሪካውያን ብዝካየዶ ቃልሲ ዝለዓለ ስም ረኺቡ’ዩ። ድሕሪ ሞቱ ብዓልቲ ቤቱ ኮረታ ማእከል ማርቲን ሉተር ኪንግ (JR) ዝብል መስሪታ። ነቲ ጐንጺ ዘይተሓወሶ ማሕበራዊ ለውጢ ንዝብል መርገጺኡ ተኸቲላ ድማ ስርሑ ቀጺላቶ። ኣብ 1983 ድማ እቲ እማመ ናይ’ቲ ማእከል ተዓዊቱ። ባይቶ ኣመሪካ እታ ሳልሰይቲ ሰኑይ ወርሒ ጥሪ (ማርቲን ዝተወልደላ ዕለት) ከም ሃገራዊ በዓል ክትክበር ተደሪኹ።

ምንጪ፦ wirless file

ካንሰር ክትከላኸል ትኽእል። ብጉድለት ግቡእ ፍወሳ ሓያሎ ግዳያት ካንሰር ቀልጢፎም’ዮም ዝቕዘፉ። ንካንሰር ዝምልከት ግቡእ ሕክምናዊ መርመራን ፍወሳን ካብ 1930ታት ንደሓር’ዩ ማዕቢሉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግዳያት ካንሰር ግቡእ ሕክምና እናተገብረሎም ብውሕዱ ንሓሙሽተ ዓመታት ከም ዝጸንሑ ይግበር ኣሎ። ካንሰር፡ ኣብቲ ፈለማ ዝኾነ ምልክታት

ኣየርእን’ዩ። እቲ ሕማም ምስ ኣስፋሕፍሐ’ዩ ምልክታቱ ከርኢ ዝጅምር። እቶም ሸውዓተ ምልክታት ካንሰር፤

• ምቅይያር መስርሕ ሽንቲ• ዘይሓዊ ቁስሊ• ዘይንቡርን ዘየቋርጽን መድመይቲ• ጡብ ካብ ንቡር ንላዕሊ ምስ ዝተርር• ጸገም ምሕቃቕን ምውሓጥን መግቢ• ተደጋጋሚ ለውጢ ኣብ ጽኪ• ርእሲ ዘሕምም ሰዓልእዞም ምልክታት’ዚኦም ምስ ዘጋንፉ ብእዋኑ

ናብ ሕክምና ክንከይድ ከም ዘለና ሓካይም ይመኽሩ። ምንጪ፡- መዲካል ሰርጀሪ

Page 11: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 11

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ኣብ ዞባ ቶስካና ከተማ ፍሎረንስ ኢጣልያ ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2013 እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብቲ ሃገር ምንቃላ ካብ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ

ኤርትራ ካብ ካልእ እዋናት ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ኣብ ሰለስተ ክሊ ዕድመ - ኤሊት (ላዕለዋይ ደረጃ)፡ ትሕቲ 23ን ጁንየርስ (ታሕተዋይ ደረጃ) ን ክትሳተፍ ምዃና ይንገር፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኤርትራ ብዓበይቲን ትሕቲ 23 ዓመትን ብቐጻሊ ትሳተፍ እኳ እንተነበረት ሎሚ ዓመት ግን ንኻልኣይ ግዜ እያ ኣብ ናይ ጁንየርስ ውድድር እትሳተፍ ዘላ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓደ እዋን

ብኣሰልጣኒ ሳምሶን ሰለሙን ዝተኣልየት ሃገራዊት ጋንታ’ዉን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ናይ ጁንየርስ ውድድር ተሳቲፋ ምንባራ ይዝከር፣ብመሰረት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት

ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ዓቢ ኣህጉራዊ ውድድር ንኤርትራ ክውክሉ ተዳልዮም ዘለዉ ተቐዳደምቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣ ኣብ ዓበይቲ (ኤሊት) ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ሜሮን ርእሶምን ፍረቓልሲ ደበሳይን። ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት ዝሳተፉ ተቐዳደምቲ ኣርባዕተ እኳ እንተኾኑ፡ ተመሪጾም ዘለዉ ግን ሽዱሽተ እዮም፣ ንሳቶም ድማ ናትናኤል ብርሃነ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሜሮን ተሾመ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ዓወት ገብረመድህንን መኽሰብ ደበሳይን እዮም፣ ኣብ ናይ ጁንየርስ ውድድር ንኤርትራ

ዝውክሉ ድማ እቶም ንኤሪተል ወኪሎም ኣብ ኢጣልያ ኣብ ልምምድን ውድድርን ዝርከቡ ኣድሓኖም ዘሚኪኤል፡ ዮናስ ተኸስተን ኣማኑኤልን መንግስን ምዃኖም ተፈሊጡ፣ ኣብዚ ዓለማዊ ውድድር ዝሳተፉ ኤርትራዉያን ተቐዳደምቲ ናይ ክሮኖሜተር ውድድር’ዉን ከካይዱ እዮም፣ ኣብ ናይ ዓበይቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን

ሜሮን ርእሶምን። ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት (ብመሰረት ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታት) ሜሮን ተሾመን ካብ ናትናኤል ብርሃነ ወይ እውን መርሃዊ ቅዱስ - ሓደ። ካብቶም ናይ ጁንየርስ ኣብ ናይ ክሮኖሜተር ዝሳተፍ ተቐዳዳማይ ግን ዛጊት ውሳነ ከምዘይተዋህበ እዩ ዝግለጽ ዘሎ፣ኤርትራ እትሳተፎ ውድድራት ዝመጽእ

23 መስከረም ክጅምር እዩ፣ ኣብቲ መዓልቲ’ቲ ካብ ሰዓት 4፡00 ኣትሒዞም ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ክሮኖ ሜተር ውድድር፥ 24 መስከረም ካብ ሰዓት 12፡00 ናይ ንግሆ ናይ ጁንየር ናይ ክሮኖሜተር ውድድር፥ 25 መስከረም ካብ ሰዓት 3፡15 ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሮም ናይ ዓበይቲ ናይ ክሮኖ ሜተር ውድድር፥ 27 መስከረም ካብ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቐትሪ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ጽርግያ ውድድር፥ 28 መስከረም ካብ ሰዓት 10፡30 ቅድሚ ናይ ጁንየርስ ናይ ጽርግያ ውድድር። 29 መስከረም ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሮም ድማ ዓበይቲ ናይ ጽርግያ ውድድራት ከካይዱ ምዃኖም ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ የነጽር፣

ብቕድሚ ትማሊ ምሸት . . .ሻምፕዮን ኤውሮጳ ዝኾነት ባየር ሙኒክ ኣብ

ፈላሚ ናይ ምድብ ጸወታኣ ንሩስያዊት ክለብ ሲኤስኬኤ ሞስኮ 3ብ0 ብምስዓር ናይ ኤውሮጳ ጉዕዞኣ ብዓወት ጀሚራ ኣላ፣ ዴቪድ ኣልባ፡ ማሪዮ ማንዲዝኪን ኣርጀን ሩበንን ነተን ሰለስተ ሸቶታት ባየር ሙኒክ ኣብ ሰኪኤት ሲኤስኪኤ ሞስኮ ዝጸምበሩ ተጻወትቲ እዮም፣ ኣብ ካልእ ግጥም ናይ ምድብ ኣርባዕተ ቪክቶርያ ምፐዘን ኣብ ሜዳኣ ብማንቸስተር ሲቲ ዳር ትርኢት ዝረኣየትሉ ግጥም እውን ብቕድሚ ትማሊ እዩ ተሰላሲሉ፣ ንማን ሲቲ ኤዲን ዜኮ፡ ያያ ቱረን ሰርጆ ኣጉዌሮን ኣብ ካልኣይ እብረ ዘመዝገብወን ሸቶታት ንደገፍቲ ፕለዘን ዘቕዘዛ ነይረን፣

ንከም ኤዲሰን ካቫኒ ብልዑል ወጻኢታት ዝገዝአት ፓሪስ ሴንት ጀርመን ኣብ ግሪኽ ፈስቲቫል እያ ኣካይዳ - ንኦሎምፕያኮስ 4ብ1 ብምርታዕ፣ ተጻዋታይ ኦሎምፕያኮስ ኣብ መበል 25 ደቒቕ ነታ ኤዲሰን ካቫኒ ዘቑጸራ ሸቶ ከመዓራሪ እኳ እንተኸኣለ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ ዝርከቡ ደቂ ጋንታኡ ግን ንሸቶታት ቲያጎ ሞታን (ክልተ እየን) ማርኵኖስን ክዓግቱ ግን ኣይከኣሉን፣ በዚ ድማ እቶም ኣብ ሜዳኦም ኮይኖም ንጸወታ ጋንታኦም ዝተዓዘቡ ግሪኻውያን ናይ 1ብ1 ተስፋ ዓወት ጋንታኦም ኣብ ካልኣይ እብረ ምሉእ ብምሉእ ክቕህም ተዓዚቦም፣ ኣብቲ ጸወታ ‘ወናም’ ተጻዋታይ ፒኤስጂ ዛላታን ኢብራሂሞቪች ኣብ መበል 82 ደቒቕ ፍጹም ቅላዕ ምምዝጋብ ምስኣኑ ጎሊሑ ተራእዩ፣ ስታድዩም ሊዝበን ንግጥም በነፊካን ኣንደርለኽትን ኣአንጊዱ ነበረ፣ በነፊካ ድማ ኣብ ሜዳኣ ብሸቶታት ፊሊፕ ድጁርቺክን ሉይሲያሆን ተሓጊዛ 2ብ0 ኣሰኒፋ፣

ምድብ ክልተ ንጋንታታት ኮፐንሄገን፡ ጁቬንቱስ፡ ጋላታሳራይን ሪያል ማድሪድን ሒዙ ይርከብ፣ ኣብ ናይ ብቕድሚ ትማሊ ፈላሚ ጸወታታት ናይ ምድብ ድማ ሸሞንተ ሸቶታት ተመዝጊቡ፣ ካብዚ ሪያል ማድሪድ ንጋላታሳራይ 6ብ1 ብዝኾነ ውጽኢት ዘዕነወታ እቲ ዓዚዙ ዝቐረበ ነበረ፣ ኢስኮ ኣብ መበል 33፡ ካሮም በንዘማ ኣብ 54ን 81 ከምኡ ድማ ሮናልዶ ኣብ መበል 63፡ 66ን ተወሳኺ ግዜ ናይ ካልኣይ እብረን ዘቑጸርወን ሸቶታት ንማድሪድ ስማ ብዓውታ ዘጸውዐ ፍጻመ ነበረ፣ ቡሉት ኣብ መበል 84 ደቒቕ ንጋላታሳራይ መጸናንዒት እትኾና ሸቶ ኣመዝጊቡ፣ ኣብ ካልእ ጸወታ ናይዚ ምድብ ተጻዋታይ ኮፐንሄገን - ጆርገንሰን ኣብ መበል 14 ደቒቕ ዘቑጸራ ሸቶ፡ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ብተጻዋታይ ጁቬ ፋብዮ ክትመክን ብምኽኣላ ጋንታኡ ነጥቢ ተማቒላ ክትወጽእ ተገዲዳ፣

ኣብ ምድብ ሓደ ማንቸስተር ዩናይትድ ንባየር ለቨርኩሰን 4ብ2 ዘሰነፈትሉ ከምኡ እውን ሻኽታር ዶነስክ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ናይ 2ብ0 ዓወት ዘመዝገበትሉ ውጽኢት እዩ ተመዝጊቡ፣ ክልተ ሸቶታት ካብ ዋይን ሩኒ፡ ከምኡ እውን ካብ ቫን ፐርሲን ኣንቶንዮ ቫለንስያን ሓሓደ ሸቶታት ዝረኸበት ዩናይትድ ዋላ’ኳ ተጻወትቲ ለቨርኩሰን ኣብ መበል 54 ከምኡ እውን 88 ደቓይቕ ብመገዲ ሮልፈስን ቶፕራክን ልዳታ እንተደፈርዎ ናይ ኦልትራፎርድ ክብራ ዓቂባ እያ ወጺኣ፣ ኣብ ካልእ ጸወታ ናይዚ ምድብ ሻኽታር ኣብ መበል 65 ከምኡ እውን 87 ካብ ኣሌክስ ብዝረኸበተን ሸቶታት ምሉእ ሰለስተ ነጥቢ ክትረክብ ክኢላ ኣላ፣

ሰኔጋል ኣብ መዋጥርኣብ ግጥም መጻረዪ ንዋንጫ ዓለም 2014

ምስ ብሉጻት 10 ጋንታታት ኣፍሪቃ ዝበጽሐት ሰኔጋል ምስ ኣይቮሪኮስት እተካይዶ ግጥም ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ክኸውን ፊፋ ከምዝበየነላ ሮይተርስ ሓቢሩ፣ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሰኔጋል ኣብ

ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ኣይቮሪኮስት ግጥም ኣብ እተካይደሉ ዝነበረትሉ እዋን ደገፍታ ኣብ ሜዳኣ ስታድዩም ዳካር ሊዮፖልድ ናዕቢ ብምፍጣሮምን በቲ ፍጻመ ዝጓሃየ ኮንፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ድማ ናይ ሓደ ዓመት መቕጻዕቲ ብምብያኑን እዩ፣ እቲ ኣብ 2012 ዘጋጠመ ፍጻመ ብመሪሕነት ኣይቮሪኮስት 2ብ0 ተሰላሲሉ ምንባሩ ይዝከር፣ እቲ ብካፍ ዝተወስደ ብይን ድማ ኣብ ውድድራት ፊፋ ግብራዊ ክኸውን ብፊፋ

ስለዝተወሰነ፡ ኣይቮሪኮስት ኣብዚ ናይ መጻረዪ ንዋንጫ ዓለም 2014 ኣብ ሜዳኣ ንግጥም ቀዳማይ እግሪ ከተካይድ ግጥም ካልኣይ እግሪ ድማ ኣብ ካልእ ሃገር ክእንገድ ተወሲኑ ኣሎ፣ዕጫ ግጥም ፕለይ ኦፍ መጻረዪ ንዋንጫ

ዓለም 2014 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ሳልስቲ ምውዳቑ ይፍለጥ፣ ካብተን ኣብ መወዳእታ ዙርያ መጻረዪ ዝበዝሓ 10 ሃገራት ኣብ ሓሙሽተ ተመቒለን ንዘካይዳኦ ግጥም ምስ እንምልከት፡ ኣይቮሪኮስት ምስ ሴኔጋል፡ ኢትዮጵያ ምስ ናይጀርያ፡ ቱኒዝያ ምስ ካሜሩን፡ ጋና ምስ ምስሪ ከምኡ ድማ ቡርኪናፋሶ ምስ ኣልጀርያ ክጻወታ እየን፣ ቀዳማይ እግሪ ካብ 11-15 ጥቅምቲ ዝካየድ ኮይኑ ካልኣይ እግሪ ድማ ካብ 15 ክሳብ 19 ሕዳር ኣብ ዘሎ መዓልታት ክእንገድ ምዃኑ ሮይተርስ ይውስኽ፣

ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2013

ከምኡ’ውን . . .= ሪያል ማድሪድ ኣብ ልዕሊ ጋላታሳራይ

ምሉእ ዓብላልነት ኣብ ዘርኣየትሉ ግጥም ገዲም ሓላዊ ልዳታ ኢከር ካሲያስ ምስ

ወዲ ጋንታኡ - ሰርጆ ራሞስ ብምግጫዉ መጉዳእቲ ከምዝገጠሞን ካብ ሜዳ ድማ ክወጽእ ተገዲዱን፣ እቲ 15 ደቓይቕ

ዝተጻወተ ካሲያስ፡ ቦታኡ ብዲያጎ ሎፐዝ ተመንጢሉ ምውርሑ ይፍለጥ፣ ትማሊ ድማ ናብ ጸወታ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ድሕሪ ምምላሱ ኣብ መሰንገሊኡ መጉዳእቲ ከጋጥሞ ምኽኣሉ ንደገፍቱ ኣስደሚሙ ኣሎ፣ እቲ ወዲ 32 ዓመት ሓላዊ ልዳት ድሕሪ ሰለስተ ወይ እውን ኣርባዕተ መዓልታት ናብ ጸወታ ከምዝምለስ ብኣሰልጣኒኡ እኳ እንተተሓበረ፡ ማዕከናት ዜና እስጳኛ ግን ክሳብ ክልተ ሳምንቲ ካብ ጸወታ ከምዝርሕቕ ሓቢረን፣

= ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ከምዘይማእመኦ ዝንገረሉ ዘሎ ሩኒ፡ ብቕድሚ ትማሊ ድሕሪ ዘርኣዮ ዝነኣድ ብቕዓት ካብ ኣሰልታኒኡ - ሞየስ ናይ ወደሳ ቃላት ይውሕዘሉ ምህላዉ ተሓቢሩ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ እቲ ኣሰልጣኒ “ሩኒ፡ ሓደ ካብ ብሉጻት ተጻወትቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ክኸውን ይኽእል እዩ” ክብል ተዛሪቡ፣ እቲ ኣሰልጣኒ ኣብ ዘረባኡ፡ ሩኒ፡ ሕጂ እውን “ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክጸንሕ እዩ ወይ እውን ኣይክጸንሕን እዩ” ንዝብል ሕቶ ናይ ምምላስ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ወሲኹ ተዛሪቡ፣

= ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ሃትሪክ ዝሰርሐ ሮናልዶ፡ ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ መበል 53 ሸቶኡ ብምቑጻሩ፡ ብብዝሒ ሸቶታት ራብዓይ ደረጃ ክሕዝ ክኢሉ ኣሎ፣ (እዚ ነቲ ትማሊ ዝተኻየደ ግጥም ኣይውስኽን እዩ) ሩድ ቫን ኒስተልሮይ ብ56፡ ሊዮነል መሲ ብ59 ከምኡ ድማ ራውል ብ71 ሸቶታት ንሮናልዶ በሊጾም ዝርከቡ ተጻወትቲ እዮም፣

= ተጻዋታይ ሊቨርፑል - ካውቲኖ ብሰኑይ ብዝገጠሞ ማህሰይቲ መንኩብ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ጸወታ ከምዝርሕቕ ተነጊሩ፣ በዚ ድማ ኣብ ዝስዕብ ሽዱሽተ ጸወታታት እታ ጋንታ ከምዘብኩር ደይሊ መይል ገሊጻ፣

= መሲ ክለቡ ባርሴሎና መሃያኡ ክብ ከተብለሉ ምሕታቱ ተገሊጹ፣ እቲ ኣርጀንቲናዊ ኮኾብ ኣብ ጽባሕ ሮናልዶ መሃያ ምውሳኹ ነቲ ሕቶ ምቕራቡ - ‘ቀናእ’ ዝብል ቅጽል ኣውሂብዎ ይርከብ፣

Page 12: 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19092013.pdfመበል 23 ዓመት ቁ. 19 19 መስከረም ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ሻህን ጥቕሙን

ሓዳስ ኤርትራ 19 መስከረም 2013 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ኣብ ስጳኛ ከተማ ላ ኮሮኛ ዝወደቐት ሎተሪ ዋናኣ ተሳኢኑ። እታ 4.7 ሚልዮን ዩሮ ዝተዓወተት ቲኬት ቁጽርታታ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝዝርጋሕ ድሮ ዓመት ኮይኑ። እንተኾነ ዓመት መመላእታ ነታ ቲኬት ሒዙ ዝመጽእ

ዋናኣ ዝተሳእነ በዓልቲ ሚልዮናት ዩሮ ሎተሪ!

ሰብ ኣይተረኽበን። ኣመሓዳሪ ከተማ ላ ኮሮኛ ካርሎስ

ነግረይራ፡ “ቅድሚ ሕጂ ገንዘብ ዝኸፍለና ሰብ ኢና ክንደሊ ጸኒሕና፤ ሕጂ ግን ገንዘብ ንኸፍሎ ኢና ነናዲ ዘለና” ብምባል ዋና ናይታ ቲኬት

ንምርካብ ብዙሕ ከምዝተጻዕረ ገሊጹ። ብመራኸቢ ብዙሃን’ውን መወዓውዒ ተገይሩሉ እዩ። የግዳስ ዛጊት ነታ ዕውትቲ ቲኬት ሒዙ ዝመጽእ ሰብ ኣይተቐልቀለን። ዋና ናይታ ጠፊኣ ዘላ ዕውትቲ ቲኬት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ገንዘቡ ክእክብ ዕድል ተዋሂብዎ’ኳ እንተሎ፡ 4.7 ሚልዮናት ዩሮ ግን ወናኒ ዝረክብ ኣይመስልን። እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ሚልዮናት ገንዘብ ናብ ካዝና ምምሕዳር ከተማ ክምለስ ምዃኑ’ዮም ሰብ መዚ ሎተሪ’ታ ከተማ ዝገልጹ።ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት’ዚ

ኣብ ከተማ በርሚንግሃም - ብሪጣንያ ዋና ናይ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ዝተዓወተት ቲኬት ከይተረኽበ ምትራፉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቱርኪ ንሓንቲ ኤም.ኣይ-17 ዝዓይነታ ወተሃደራዊት ሄልኮፕተር ሶርያ ወቒዓ። እታ ሄልኮፕተር ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሃታይ ናይ ቱርኪ ከምዝወደቐትን ኣብረርታ ከምዝሞቱን ካብ ኣንካራ ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቱርኪ ጣይብ

ኤርዶጋን፡ እታ ሄልኮፕተር ሶርያ ንክሊ ኣየር ቱርኪ ብምጥሓስ 2 ኪሎሜትር ናብ ውሽጢ ክሊ ኣየር ቱርኪ ኣትያ ትበርር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብነፈርቲ ኲናት ቱርኪ ከምዝተሃርመት ገሊጹ።ሶርያ ብወገና፡ ሓንቲ ሄልኮፕተራ

ብቱርኪ ተሃሪማ ከምዝወደቐት ኣረጋጊጻ ኣላ። ነቲ ብቱርኪ ዝተፈጸመ ተግባራት ድማ “ህዉኽ ስጉምቲ” ብምባል ወቒሳቶ። መንግስቲ ቱርኪ ብቐጻሊ ኲናት የሳውር ምህላዉ’ያ ሶርያ ትኸስስ። ብውሽጣዊ ግጭት ተሓሚሳ ዘላ ሶርያ፡ ኣብ ዝጠዓማ ግዜ

ቱርኪ ሄልኮፕተር ሶርያ ትወቅዕ

ኣብ ልዕሊ’ቲ ብጣይብ ኤርዶጋን ዝምራሕ መንግስቲ ቱርኪ ሕነ ከምእትወስድ ኣፍሊጣ።ዝሓለፈ ዓመት ሓይሊ ኣየር ሶርያ፡

ንሓንቲ ነፋሪት ኲናት ቱርኪ ወቒዑ ከምዘውደቓ ዝጠቐሱ ጸብጻባት፡ ቱርኪ ሕነኣ ንምፍዳይ ምቅርራብ ክትገብር ምጽንሓ’ዮም ዝሕብሩ።መንግስቲ ቱርኪ ናብ ዶባት’ታ

ሃገር ዝተጸገዐት ዝኾነት ወተሃደራዊት ንብረት ሶርያ ከም ስግኣት ተጠሚታ ስጉምቲ ክውሰደላ ዝገልጽ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ምህላዉ ይፍለጥ። ቱርኪ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣብቲ ንሶርያን ቱርክን ዘዳውብ ከባቢታት ኣዋፊራ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።ኣባል ኪዳን ሓይልታት (ኔቶ)

ዝኾነት ቱርኪ፡ ብኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ክውሰድ ኣብ ዝኽእል መጥቃዕቲ ኢዳ ከይሓወሰት ከምዘይትተርፍ’ዮም ተንተንቲ ዝእምቱ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ቶኒ ኣቦት ቃለ መሓላ ፈጺሙ። እቲ ወዲ 55 ዓመት ፖለቲከኛ ኣብ ከተማ ካንቤራ ኣብ ዝፈጸሞ ቃለ-መሓላ፡ ሓድሽ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ቀረጽን ምስፋሕ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ኣተኲሩ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ። ኣብታ ሃገር ክስርሐሉ ዝጸንሐ

“ናይ ካርቦን ቀረጽ” ንምውጋድ ድማ ከምዝጽዕር ሓቢሩ። ንሱ፡ ኣብታ ሃገር ንዝግበር ወፍሪ ንምትብባዕ ቀረጽን ግብርን ከምዝንኪ’ዩ ቃል ዝኣቱ።ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቦት ብተወሳኺ

ኣብ ልዕሊ’ተን ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣትዋ ጀላቡ ስደተኛታት ብሓይሊ ባሕሪ’ታ ሃገር ክግበር ዝጸንሐ ናይ ምዕጋት ስጉምቲ ደው ክብል ጸዊዑ።ብ7 መስከረም ኣብ ኣውስትራልያ

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ቃለ መሓላ ይፍጽም

ሰሜን ኮርያ ኑክሌሳዊ ዝርርብ ክግበር ጸዊዓ። እታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፡ ኑክሌሳዊ ቅልውላው ናይቲ ዞባ ንምፍታሕ ዘይቅድመ-ኩነታዊ ዘተ ክግበር ከምዘለዎ ኣፍሊጣ። ኑክሌሳዊ ኣጽዋር እትውንን ሰሜን ኮርያ

ከምዚ ዓይነት ጻውዒት ክትገብር ዘይንቡር ምዃኑ’ዮም ጸብጻባት ዝገልጹ። እታ ሃገር ዝሓለፈ ቅንያት ምስ ጎረቤታ ደቡብ ኮርያ ንዝጸንሐ ወጥሪ ዘህድእ ስጉምታት ክትወስድ ምጅማራ ይፍለጥ።

*** ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሩዋንዳ

ብፕረዚደንት’ታ ሃገር ዝምራሕ “ሓርበኛዊ ግንባር ሩዋንዳ” ዝተባህለ ሰልፊ ተዓዊቱ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ዝበዝሐ

መናብር ክዕወት እንከሎ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ድማ 20 ሚእታዊት መናብር ከምዝረኸባ ተሓቢሩ። ቀቅድሚ’ቲ ዝሓለፈ

ቀዳመ-ሰንበት ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ ኪጋሊ ርእሰ ከተማ ሩዋንዳ መጥቃዕቲ ቦምብ ተፈጺሙ ምንባሩ ጸብጻባት’ታ ሃገር ገሊጾም።

*** ኣብ ኣፍጋኒስታን ብደብዳብ ሰብ-

ኣልቦ ነፋሪት 5 ሰባት ተቐቲሎም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ’ታ ሃገር ከምዝተኻየደን ብምሉኦም ግዳያት ሰለማውያን ሰባት ከምዝኾኑን ምንጭታት’ታ ሃገር ሓቢሮም። ኣመሪካ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ

እናተጠቕመት ኣብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ቀጻሊ ደብዳብ ተካይድ ምህላዋ ይጥቀስ።

***ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ

ተቓዋሚ ጉጅለ ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት’ታ ሃገር ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 40 ወተሃደራት ከምዝቐተለ ሓቢሩ። ድሕሪ’ቲ ዕጡቓት’ቲ ጉጅለ ኣብ

ሰሜናዊ ምዕራብ ዝወልዕዎ ኲናት

ተወሰኽቲ 65 ወተሃደራት ናይጀርያ ደሃዮም ከምዝጠፍአ ብተወሳኺ ተገሊጹ። ምስቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ናይጀርያ

ዝወረደ ክሳራታት ብዝተሓሓዝ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ካብ ስልጣኑ ከምዝተሰጐ መንግስቲ ናይጀርያ ኣፍሊጡ።

*** ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ቨነዙዌላ

ብዝተፈጥረ ግጭት 16 ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ግጭት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ’ታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘጋጠመ ምንጭታት’ታ ሃገር ሓቢሮም። ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤት ማእሰርቲ፡

ኣሽሓት እሱራት ከምዝርከቡ ይፍለጥ። እቲ ግጭት በተን ኣብቲ ቦታ ዝርከባ ገበናውያን ጉጅለታት ከምዝተወለዐ’ዩ ዝግለጽ። ዓሚ ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ማእሰርቲ ቨነዙዌላ ብዝተወለዐ ግጭት ኣስታት 600 እሱራት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ጸብጻባት የመልክቱ።

***

ረዳኢ ዝሰኣነት ጓል 38 ዓመት ቻይናዊት ኣብ ውሽጢ ጉድጓድ 15 መዓልቲ ገይራ። እታ ሱ ኩሺ ዝተባህለት ሰበይቲ ኣብ ዞባ ሄናን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ’ያ ትቕመጥ። ሓደ መዓልቲ ብእግራ እናተጓዕዘት እንከላ ድማ’ያ ከይረኣየቶ ኣብ ዒላ ኣትያ። እቲ ኣርባዕተ ሜትሮ ጥራይ ዕምቈት ዝነበሮ ዒላ ነጺፉ ብምንባሩ ግን ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣየጓነፋን። እንተኾነ ኣብ እግራ መስበርቲ ስለዘጋጠማ ባዕላ ካብቲ ጉድጓድ ክትወጽእ ኣይከኣለትን።ረዳኢ ክትረክብ ዘካደቶ ፈተነ’ውን ኣይተዓወተን። ጸዊዓ

ምስረብረበት ሓገዝ ክሳብ ትረክብ ክትጽበ ግድን ነይሩ። እቲ ዝገርም ንክልተ ሰሙን ዝኣክል ሰብ ዝበሃል በቲ ከባቢ ኣይሓለፈን! ሒዛቶ ዝነበረት ቅሩብ ጥረ ዕፉን በሊዓ ወዲኣቶ። ካብ ዝሃረመ ዝናብ ዝዓቘረ ማይ እናሰተየት ነዊሕ መዓልታት ኣሕለፈት። ኣለኺ ክብላ ድሕሪ 15 መዓልታት ሰባት ረኸብዋ። ብድኻምን ጥምየትን ማሲና’ኳ እንተነበረት ማይን መግብን ምስተዋህባ ብኡ ንብኡ ጥዕናኣ ከምዝተመሓየሸ ሽንሁዋ ይሕብር።

ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ብቶኒ ኣቦት ዝምራሕ ሃገራዊ ሊበራላዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ነበር ከቪን ራድ ዝምራሕ ሰልፊ ዕዮ ዓወት ከምዘመዝገበ’ዩ ዝግለጽ።

በቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተመስረተ 19 ዝኣባላቱ ካቢነ ኣውስትራልያ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ጥራይ ዘሳተፈ ብምዃኑ ካብ ሓያሎ ወገናት’ታ ሃገር ወቐሳ ይዘንቦ ኣሎ።

ዜና ብሓጺሩ