ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ -...

12
መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 11 ሊግ ኤርትራ ገጽ 4 ኣናብባ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ ገጽ 5 ኮሎኔል ሚካኤል “ኣቦ መሃዝነትን ተወፋይነትን” ገጽ 10 ታንኪ ዝሰነዐ ቻይናዊ ሓረስታይ ገጽ 8 ቋንቋ ስዋሂሊ 2014 ሰሉስ ምሕያል ኮም ዝሰረቱ ስርዓተ ፍትሒ፡ ህዝቢ ካብ ከባቢኡ ብዙሕ ከይርሓቐን ካብ ልምዓታውን ማሕበራውን ንጥፈታቱ ከይተዀልፈን ርሑው ኣገልግሎት ፍትሒ ንኽረክብ ዘኽእል ኣብ “ሕብረተሰብ ካብ ክብርታቱን ልምድታቱን ዝምንጩ ኣፈታትሓ ጉዳያት ንኸማዕብል ብዝለዓለ ይስራሓሉ ኣሎ” ሚኒስተር ፎውዝያ ሃሽም ርእሲ ምዃኑ፡ ሕብረተሰብ ካብ ክብርታቱን ልምድታቱን ዝምንጩ ኣፈታትሓን ኣተኣላልያን ጉዳያት ንኸማዕብልን ንኽዕቅብን ዘተባብዕ ብምዃኑ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ብዕቱብ ይሰርሓሉ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ሓቢራ። ሚኒስተር ፎውዝያ ኣብ ከተማታት ተሰነይን ባረንቱን ምስ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፡ ክኢላታት ሕጊ ብምውፋር ብህዝቢ ንዝተመርጹ ደያኑ ዝህቦ ስልጠናታት፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ኮም ዝተሰረተ ስርዓተ ፍትሒ ብዓይነትን ዝርግሐን ንምሕያሉዝካየድዘሎዕማምምዃኑ ብምብራህ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ’ውን ኣብ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ንዝጸንሐ ሕጽረት መሳለጥያን ዓቕሚ-ሰብን ንምፍታሕ፡ ከምኡ’ውን ብቑዕን ዝተማልአን ትሕተ-ቅርጺ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርድን ምደባ ብናይ ሕጊ ሞያ ዝሰልጠኑ ጸሓፍትን ክትግበር ምዃኑ ኣነጺራ። ሚኒስተር ፎውዝያ ኣስዒባ፡ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ኣብ ህዝቢ ንዝርኣዩ ግርጭታት ካብ’ቲ ሕብረተሰብ ንዝነቅል ሃብታም ተመኲሮ ኣፈታትሓ ምርኲስ ጌሮም ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብ ከይተሓለሉ ክጽዕቱ ድሕሪ ምምሕጻን፡ ብቕዓት ዓቕሚ-ሰብ ንምሕያል ብሃገር ደረጃ ዝተፈላለየ ናይ ሕጊ ትምህርትን ስልጠናታትን ዝህብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ክኽፈት ምዃኑ ኣብሪሃ። ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ኣብ መሳለጥያን ኣብያተ-ጽሕፈትን ዘሎ ሕጽረታት ብቕልጡፍ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘዕቢ ስልጠናታት ብዝለዓለ ደረጃ ክድፋኣሉ፡ ብደረጃ ዞባ ዝነጥፋ ኣብያተ-ፍርዲ ምትሕግጋዘን ከሐይላ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ሚኒስተር ፍትሒ ፈውዝያ ሃሽም ኣብ መወዳእታ፡ ደያኑ ኮማውያን ኣብያተ-ፍርዲ ንዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተዋጽኦ ድሕሪ ምምስጋን፡ ብደረጃ ዞባ ዘወሃህድ ‘ምክትታል መጋባእያታት’ ቈይሙ ከምዘሎ ኣብሪሃ። ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ዕዲ - ንኡስ ዞባ ማእከል ደንካልያ፡ ኣብ ከባቢኦም ክሰላሰል ዝውጠን መደባት ልምዓት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከዛይዱ ምዃኖም፡ ኣቐዲሙ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ገሊጾም። ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማእከል ደንካልያ ኣቶ ሙሳ ሓጂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውህደት ህዝብን ህዝባዊ ሰራዊትን ኣብ ምጽጋን ጽርግያን ከባቢያዊ ጽሬትን ዝተኻየደ ማእቶታዊ ንጥፈታት ውጽኢታዊ ምንባሩ ሓቢሩ። “እቲ ስራሕ፡ ንናይ ስራሕ ባህሊ ዝዂስኲስን ዘደንፍዕን ኣገዳሲ መደብ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ሙሳ፡ ኣብ መጻኢ ነበርቲ ዕዲ ክሰላሰል ዝውጠን መደባት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከዛይዱ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ብዝበለጸ ውዳበን ዝሰፍሐ ተሳትፎን ክቕጽል ምዃኑ ኣረዲኡ። ካብን ናብን ዓድታት ዝኣቱ ጽርግያታት ንምጽጋን ህዝቢ ኣበርቲዑ ስለዝሰርሐ፡ ናይ መጓዓዝያ ጸገማቱ ተቓሊሉ ምህላዉ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ክካየዱ ንዝተወጠኑ ተመሳሰልቲ ስርሓትን ተራ ህዝብን ኣመልኪቱ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። ኣመሓዳሪንኡስዞባማእከልደንካልያ ኣቶ ሙሳ ሓጂ ኣብ መወዳእታ፡ ከባቢያዊ ጽሬት ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዘለዎ ግደ ልዑል ብምዃኑ ብሰፊሑ ክዝውተር ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ኣብ ኩሎም ዝውጠኑ መደባት ሱታፌኡ ከበርኽ ተላብዩ። ኣብ ቀንዲ መስመር ዓንሰባ - ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቊልቊለት ጥንቁላሓስ ብሰንኪ ዘለዎ ጽበት ብዘጋጥም ተደጋጋሚ ሓደጋታት ኣብ ሂወት ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት የውርድ ስለዘሎ፡ ዝምልከቶ ኣካል ዕቱብን ቅልጡፍን ቈላሕታ ክገብረሉ ወከልቲ ህዝቢ ከተማ ከረን ጸዊዖም። “ብሰንኪ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት፡ ጥንቁላሓስ ኣሰካፊት ኮይና’ላ” ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ሓደጋታት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛየደ ብምምጽኡ፡ እቲ መስመር ሓደ መንገዲ ናይ ምዃን ሓሳብ ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሮም። ኣቶ መሓሪ ግሊኡን ኣቶ ታደሰ ገብረመስቀልን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዘሎ ክሳራ ንምንካይ ይኹን ንምግታእ፡ ጽርግያ ጥንቁላሓስ ንሓደ መስመር ጥራይ ከተገልግል፡ መስመር ጁፋ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ጎኒ ህዝቢ ብምዃን ሓገዛቱ ከበርክት ቊልቊለት ጥንቁላሓስ ኣብ ሂወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት የውርድ ስለዘሎ፡ ዕቱብ ቈላሕታ ክወሃቦ ነበርቲ ከተማ ከረን ጸዊዖም ተላብዮም። ምስ ምብዛሕ መካይንን ኣገዳስነት’ቲ መስመርን ህጹጽ ፍታሕ የድሊ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣቶ ሕዋርሸኽ ዓብዱ፡ ወይዘሮ ሓዋ ሳብርን ኣቶ መሓመድ ስዒድን፡ ቅድሚ ሕጂ ቀሪቡ ዝነበረ ርእይቶ ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ክናደ ብምምሕጻን፡ ህዝቢ ካብኡ ዝሕተት ከማልእ ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጾም። ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ዓንሰባ ሜጀር ሃብተ ገብሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋታት እቲ 90 ሚእታዊት ኣብ ጥንቁላሓስ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ 2013 ጥራይ ልዕሊ 30 ሓደጋታት ኣብ’ዚ 10 ኪሊ-ሜተር ዘይመልእ መስመር ከምዘጋጠመ ጠቒሱ፡ ክሳብ መፍትሒ ዝናደየሉ፡ ህዝቢ ተተኺሉ ንዘሎ መስትያት ትራፊክ ክከናኸንን ካብ ጎቦታት ዝወርድ ደናጉላ ኣብ ምእላይ ክተሓባበርን፡ መራሕቲ መካይን ድማ ብህድኣትን ብጥንቃቐን ክመርሑ ጸዊዑ።

Upload: others

Post on 26-Aug-2020

11 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

²Ãö 3

ገጽ 11ሊግ ኤርትራ

ገጽ 4ኣናብባ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ

ገጽ 5ኮሎኔል ሚካኤል “ኣቦ

መሃዝነትን ተወፋይነትን”

ገጽ 10ታንኪ ዝሰነዐ ቻይናዊ

ሓረስታይገጽ 8

ቋንቋ ስዋሂሊ2014

ሰሉስ

ምሕያል ኮም ዝሰረቱ ስርዓተ ፍትሒ፡ ህዝቢ ካብ ከባቢኡ ብዙሕ ከይርሓቐን ካብ ልምዓታውን ማሕበራውን ንጥፈታቱ ከይተዀልፈን ርሑው ኣገልግሎት ፍትሒ ንኽረክብ ዘኽእል ኣብ

“ሕብረተሰብ ካብ ክብርታቱን ልምድታቱን ዝምንጩ ኣፈታትሓ ጉዳያት ንኸማዕብል ብዝለዓለ ይስራሓሉ ኣሎ” ሚኒስተር ፎውዝያ ሃሽም

ርእሲ ምዃኑ፡ ሕብረተሰብ ካብ ክብርታቱን ልምድታቱን ዝምንጩ ኣፈታትሓን ኣተኣላልያን ጉዳያት ንኸማዕብልን ንኽዕቅብን ዘተባብዕ ብምዃኑ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ብዕቱብ ይሰርሓሉ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ፍትሒ

ፎውዝያ ሃሽም ሓቢራ።ሚኒስተር ፎውዝያ ኣብ ከተማታት

ተሰነይን ባረንቱን ምስ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፡ ክኢላታት ሕጊ ብምውፋር ብህዝቢ ንዝተመርጹ ደያኑ ዝህቦ ስልጠናታት፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ኮም ዝተሰረተ ስርዓተ ፍትሒ ብዓይነትን ዝርግሐን ንምሕያሉ ዝካየድ ዘሎ ዕማም ምዃኑ ብምብራህ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ’ውን ኣብ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ንዝጸንሐ ሕጽረት መሳለጥያን ዓቕሚ-ሰብን ንምፍታሕ፡ ከምኡ’ውን ብቑዕን ዝተማልአን ትሕተ-ቅርጺ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርድን ምደባ ብናይ ሕጊ ሞያ ዝሰልጠኑ ጸሓፍትን ክትግበር ምዃኑ ኣነጺራ።

ሚኒስተር ፎውዝያ ኣስዒባ፡ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ኣብ

ህዝቢ ንዝርኣዩ ግርጭታት ካብ’ቲ ሕብረተሰብ ንዝነቅል ሃብታም ተመኲሮ ኣፈታትሓ ምርኲስ ጌሮም ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብ ከይተሓለሉ ክጽዕቱ ድሕሪ ምምሕጻን፡ ብቕዓት ዓቕሚ-ሰብ ንምሕያል ብሃገር ደረጃ ዝተፈላለየ ናይ ሕጊ ትምህርትን ስልጠናታትን ዝህብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ክኽፈት ምዃኑ ኣብሪሃ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ኣብ

መሳለጥያን ኣብያተ-ጽሕፈትን ዘሎ ሕጽረታት ብቕልጡፍ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘዕቢ ስልጠናታት ብዝለዓለ ደረጃ ክድፋኣሉ፡ ብደረጃ ዞባ ዝነጥፋ ኣብያተ-ፍርዲ ምትሕግጋዘን ከሐይላ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።ሚኒስተር ፍትሒ ፈውዝያ ሃሽም

ኣብ መወዳእታ፡ ደያኑ ኮማውያን ኣብያተ-ፍርዲ ንዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተዋጽኦ ድሕሪ ምምስጋን፡ ብደረጃ ዞባ ዘወሃህድ ‘ምክትታል መጋባእያታት’ ቈይሙ ከምዘሎ ኣብሪሃ።

ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ዕዲ - ንኡስ ዞባ ማእከል ደንካልያ፡ ኣብ ከባቢኦም ክሰላሰል ዝውጠን መደባት ልምዓት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከዛይዱ ምዃኖም፡ ኣቐዲሙ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ገሊጾም።ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ

ማእከል ደንካልያ ኣቶ ሙሳ ሓጂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውህደት ህዝብን ህዝባዊ ሰራዊትን ኣብ ምጽጋን ጽርግያን ከባቢያዊ ጽሬትን ዝተኻየደ ማእቶታዊ ንጥፈታት ውጽኢታዊ ምንባሩ ሓቢሩ።“እቲ ስራሕ፡ ንናይ ስራሕ ባህሊ

ዝዂስኲስን ዘደንፍዕን ኣገዳሲ መደብ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ሙሳ፡ ኣብ መጻኢ

ነበርቲ ዕዲ ክሰላሰል ዝውጠን መደባት ንምዕዋት

ኣበርክቶኦም ከዛይዱ ምዃኖም ኣረጋጊጾም

ብዝበለጸ ውዳበን ዝሰፍሐ ተሳትፎን ክቕጽል ምዃኑ ኣረዲኡ።ካብን ናብን ዓድታት ዝኣቱ

ጽርግያታት ንምጽጋን ህዝቢ ኣበርቲዑ ስለዝሰርሐ፡ ናይ መጓዓዝያ ጸገማቱ ተቓሊሉ ምህላዉ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ክካየዱ ንዝተወጠኑ ተመሳሰልቲ ስርሓትን ተራ ህዝብን ኣመልኪቱ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማእከል ደንካልያ

ኣቶ ሙሳ ሓጂ ኣብ መወዳእታ፡ ከባቢያዊ ጽሬት ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዘለዎ ግደ ልዑል ብምዃኑ ብሰፊሑ ክዝውተር ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ኣብ ኩሎም ዝውጠኑ መደባት ሱታፌኡ ከበርኽ ተላብዩ።

ኣብ ቀንዲ መስመር ዓንሰባ - ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቊልቊለት ጥንቁላሓስ ብሰንኪ ዘለዎ ጽበት ብዘጋጥም ተደጋጋሚ ሓደጋታት ኣብ ሂወት ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት የውርድ ስለዘሎ፡ ዝምልከቶ ኣካል ዕቱብን ቅልጡፍን ቈላሕታ ክገብረሉ ወከልቲ ህዝቢ ከተማ ከረን ጸዊዖም።“ብሰንኪ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት፡

ጥንቁላሓስ ኣሰካፊት ኮይና’ላ” ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ሓደጋታት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛየደ ብምምጽኡ፡ እቲ መስመር ሓደ መንገዲ ናይ ምዃን ሓሳብ ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሮም።ኣቶ መሓሪ ግሊኡን ኣቶ ታደሰ

ገብረመስቀልን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዘሎ ክሳራ ንምንካይ ይኹን ንምግታእ፡ ጽርግያ ጥንቁላሓስ ንሓደ መስመር ጥራይ ከተገልግል፡ መስመር ጁፋ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ጎኒ ህዝቢ ብምዃን ሓገዛቱ ከበርክት

ቊልቊለት ጥንቁላሓስ ኣብ ሂወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት የውርድ ስለዘሎ፡ ዕቱብ ቈላሕታ

ክወሃቦ ነበርቲ ከተማ ከረን ጸዊዖም

ተላብዮም።ምስ ምብዛሕ መካይንን

ኣገዳስነት’ቲ መስመርን ህጹጽ ፍታሕ የድሊ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣቶ ሕዋርሸኽ ዓብዱ፡ ወይዘሮ ሓዋ ሳብርን ኣቶ መሓመድ ስዒድን፡ ቅድሚ ሕጂ ቀሪቡ ዝነበረ ርእይቶ ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ክናደ ብምምሕጻን፡ ህዝቢ ካብኡ ዝሕተት ከማልእ ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ዓንሰባ

ሜጀር ሃብተ ገብሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋታት እቲ 90 ሚእታዊት ኣብ ጥንቁላሓስ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ 2013 ጥራይ ልዕሊ 30 ሓደጋታት ኣብ’ዚ 10 ኪሊ-ሜተር ዘይመልእ መስመር ከምዘጋጠመ ጠቒሱ፡ ክሳብ መፍትሒ ዝናደየሉ፡ ህዝቢ ተተኺሉ ንዘሎ መስትያት ትራፊክ ክከናኸንን ካብ ጎቦታት ዝወርድ ደናጉላ ኣብ ምእላይ ክተሓባበርን፡ መራሕቲ መካይን ድማ ብህድኣትን ብጥንቃቐን ክመርሑ ጸዊዑ።

Page 2: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ዮሃንስ ሃይለ ምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ

ኣፍልጦ ሳዕቤናት መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንምዕባይ ዝሕግዝ ስልጠና ተዋሂቡ

ኣፍልጦኦም ኣብ ኣሉታዊ ሳዕቤናት መርዓ ትሕቲ ዕድመ ክብ ንምባል ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ካብ ኩለን ናይ

ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል ንዝተዋጽኡ 120 ተመሃሮ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣብቲ ጨንፈር ሓላፊ ጥዕና ፍርያምነት ኣቶ ዘድንግል ጎርጎርዮስ ንዕላማ’ቲ መደብ ኣመልኪቱ ኣብ

ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መርዓ ትሕቲ-ዕድመ፡ ፍንው ጾታዊ ርክብን ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮን ንምግታእ ዝሰላሰል ስራሕ ኣብ ንቕሓት ስለዝምርኰስ፡ ኣፍልጦ ንምብራኽ ከምዝተኻየደ ኣብሪሁ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ተወካሊት ጥዕና መንእሰያት ወይዘሪት ፍርቱና ጥዑምዝጊ ብግደኣ፡ ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ንመንእሰያት ዝግበር ጎስጓስን ኣስተምህሮን ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ምዃኑ ብምብራህ፡ እቲ ስልጠና ዝያዳ ውጽኢታዊ ንክኸውን ቀጻልነት ክህልዎ ተላብያ።

ነቲ ስልጠና ካብ ዝተኸታተሉ ተመሃሮ ራሄል ገብረንጉስን ፋኒኤል እያሱን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ጽልዋ መዘና ልዑል ስለዝኾነ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ብደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ብዝሰፍሐ ክሰርሓሉ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ - ንኡሳን ዞባታት ሞልቊን ኣቑርደትን፡ ብወፈራ ማእቶት ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምጽጋን ጽርግያን ይሰላሰል ኣሎ።ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቊ - ነበርቲ

11 ምምሕዳራት ከባቢ ዘሰላስልዎ

ዘለዉ ማእቶት ኣብ ግርሁ ዘተኰረ ኮይኑ፣ ዛጊት ኣብ ሓውሲ ከተማ ሞልቊን ምምሕዳራት ከባቢ ደንበ-ጤረር፡ ፎውሊና፡ ትኹል፡ ዓዲ-ጸጸር፡ እንዳባስምኦን፡ ኣይትዓብር፡ ገዛ-ቀላቲ፡ ሓድሽ-ዓዲ፡ ማይኣፋልስን ጀጃሕን ልዕሊ 470 ሄክታር ከምእተፈወሰ፡

ተጸዋዒ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ናይቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ጎይትኦም ሰመረ ሓቢሩ።ካብ ተሳተፍቲ ናይቲ ማእቶት

ወይዘሮ ጽገወይኒ ወልደስላሴ፡ ኣቶ ዘርኣብሩኽ ጽገን ኣነባባሪ ሓውሲ ከተማ ሞልቊ ኣቶ መዓሾ ክፍላይን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሳላ ብቐጻሊ ዘካይድዎ ዘለዉ ማእቶት፡ ንፍግረ-መሬት ተቓሊዑ ዝነበረ መሬቶም ተፈዊሱ ኣብ ሕርሻዊ እቶታውነቶም እወታዊ ጽልዋ ከምዝገበረ ብምጥቃስ፡ ዝውጠኑ መደባት ንምዕዋት ድልዋት

ኣብ ሞልቊን ኣቑርደትን፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምጽጋን ጽርግያን ይሰላሰል ኣሎ

ምዃኖም ኣረጋጊጾም።ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቊ ኣብ ዝሓለፈ

ዓመት ብህዝባዊ ማእቶት ልዕሊ 2 ሽሕን 600 ሄክታር ከምእተፈወሰ ዝጠቐሰ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ናይቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ወልደየሱስ ተኪኤ፡ ሓረስቶት ጎኒ-ጎኒ’ቶም ዝካየዱ ዘለዉ ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ንጥፈታት። ናይ ሕርሻ መሬቶም ብግቡእ ከደላድሉ፡ ከምኡ’ውን ባህርያዊ ድኹዕን ምቅይያር ዘርኢን ከዘውትሩ ኣተሓሳሲቡ።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ነበርቲ

ምምሕዳር ከባቢ ዓልባንያይ ካብ ዓዶም ናብ ምምሕዳር ከባቢ እንገርነ ዘእቱ ጽርግያ ይሰርሑ ኣለዉ።ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ

ዓልባንያይ ኣቶ ሓጅ ሱሌማን መሓመድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብክራማት ተበላሽዩ ንመጓዓዝያ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዝጸንሐ መስመር ዓልባንያይ - እንገርነ ንምጽጋን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ድሕሪ ምዝዛም’ቲ ዕማም ምዕቃብ ሓመድን ማይን ክቕጽልዎ ምዃኖም ገሊጹ።

Page 3: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 3

ክሳብ መጥቃዕቲ ናይ ባጽዕ፡ ብውልቅኻ ዘጋጠመካ መውጋእቲ ኣሎዶ?

ኣብቲ ካብ ከረን ጀሚርካ ክሳብ ባጽዕ ዝኣተናሉ ግዜ ክልተ ግዜ ተሃሪመ ኣለኹ። እታ ቀዳመይቲ ኣብ ላዕላይ ከረን ካብ ታባ እንዳ ሬድዮ ከነልቅቐን ከለና ዘጋጠመትኒ እያ። እታ ታባ ዳርጋ ክሳብ ሰዓት 5.00 ከባቢ ተኸኽ ኣቢላትና እያ ውዒላ። ፈለማ ክልተ ኣር.ፒ.ጂ. ካብ ቅርበት ክንትኩስ ዕድል ረኺብና። ድሕሪኡ ደሮና ስለዝገበረልና፡ ክንቀርብ ሓጊዙና። ካብኡ በብቑሩብ እናቐረብካ ኣብ ናይ ቡምባ ኢድ ክትበጽሕ ኢኻ ትደሊ። ናብ ከምኡ ክንሰግር ከለና፡ ብላዕሊ ብሬን ጉልባብ ይገብረልና ኣሎ፣ ኣር.ፒ.ጂ. እውን ከምዚ ዝበልናዮ ጸጸኒሑ ይትኩስ ኣሎ። ስለዚ ብላዕሊ ጸገም ኣይነበረን። እተን ብታሕቲ ዘለዋ መሳዂቲ ግን ኣየስተብሃልናለንን። ‘ኣዳፍኔ’ ዝብልኦ ብረት ነይሩ ሽዑ፡ ብኡ ጌረን ነቶም ቅድሚት ዝነበርና ኣረማሲሰናና። ብድሕሪኡ እተን መተኮሲ ብታሕቲ ከምዘለዋ ነቶም ዳሕረዎት ብጾትና ነጊርናዮም። ኣር.ፒ.ጂ. ይኹን ካልእ ብረት ናብተን ፍኒስትራታት ከቕንዕዎ ድማ ሓቢርናዮም። ከምኡ ከኣ ገይሮም። ኣይጸንሓን ሃዲመን ከይደን። ነታ ታባ ብጾትና ተቖጻጺሮማ ማለት እዩ። ኣነ ኣብ ክልቲኡ ኣእጋረይ ተሃሪመ ስለዝነበርኩ፡ ተሰኪሞም ኣውሪዶምኒ። ናብ ሕክምና ክትከይድ ሸንኮለል እዩ ነይሩ። እቲ ሕክምና ኣብ ማጨላይ ንብሎ ቦታ እዩ ነይሩ። ብበጉ ኣቢሎም፡ ብሓሸላ ገይሮም ናብኡ ወሲዶምና ማለት እዩ። ከረን ሓራ ኮይና እያ፡ ግን ሕክምናና ኣብ ከረን ኣይኣተዉን ነይሮም። ስለዚ፡ ካብ ማጨላይ ንሳሕል ወሲዶምና። ኣብ ሕክምና ወርሒ ገይረ ናብ ኣሃዶይ ተመሊሰ ማለት’ዩ። እዚ’ያ እታ ቀዳመይቲ ኣጋጣሚ። ብድሕሪኡ ኣብ ባጽዕ ተሃሪመ። ከም ግቡእ ኣብታ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኢና ክንህረም ዝግብኣና። ግን ባጽዕ ምስ ኣተና ኢና ተሃሪምና። ኣነን ወዲ ልብሱን ከም ኣመልና ምሸት ካናለ ካናለ ጌርና ድፋዕ ንኾልል ኔርና። ኣብ ናይ ተኽላይ ኪዳነ ሓይሊ ምስ በጻሕና፡ ንሱ’ውን ምሳኹም ክኾልል’የ ኢሉ ተሓዊስና። ኣብ ማእከል ናይቲ ድፋዕ ከለና ናይ ሞርታር ደብዳብ ጀሚረን። ሰለስቴና ተሃሪምና። ካብኡ ናብኡ ናይ ወዲ ልብሱ ፍዅስ ዝበለ ነይሩ። ኣነ ርእሰይን ሕቖይን ተሃሪመ። ግን ናተይ’ውን ከቢድ ኣይነበረን። ተኽላይ ግን ተሃስዩ። ካብታ ሰዓት’ቲኣ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ከኣ ሰንኪሉ ወዲእዋ። ኩሉ እቲ ኣብ ርእስና ዝዘንብ ቦምባን ጥይትን ስለምንታይ እዩ ዘይቀተለና ኣይርድኣካን እዩ። ሽዕኡ ኩላትና ክንጠፍእ ጥራይ ኢኻ ትጽበ። ምኽንያቱ እቲ ቦምባ ኣብቲ ዘለናዮ ቦታ እዩ ዓሊቡ። እዚ እያ እታ ካልኣይ ዘጋጠመትኒ መውጋእቲ - ካብ ከረን ክሳብ ባጽዕ ኣብ ዝነበረ ግዜ ማለት’ዩ።

ካብ ባጽዕ ንከበሳ ምስ ደየብኩም፡ ኣበይ ቦታ ሒዝኩም?

ካብ ባጽዕ ኣብ ወርሒ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ናይ 1978 ክልቲአን ቦጦሎኒታት ናይ ብርጌድና ብቐጥታ ናብ ግርሁ ስርናይ እየ መጺአን። መራሕትና ኣብኡ ጸኒሖምና። ኣኼባ ገይሮም ከኣ ናይ ግርሁ ስርናይ መጥቃዕቲ ክካየድ ተወዲኡ ከምዘሎ ሓቢሮምና። ካብቲ ኣኼባ ወጺእና ብቦታና ክንሕዝ እናኸድና፡ ሃንደበት “ጽንሑ፡ ጽንሑ” ይብሉና መራሕትና። “ናይ ባጽዕ ድፋዓትና ፈሪሱ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ብቐጥታ በዘን ተጻዕንኩመን ዝመጻእኩም መካይን ናብኡ ክትምለሱ ኢኹም” ተባሂልና። ብወገንና፡ ቅድም ነዚኣ ዘይንውድእ ዝብል ርእይቶ ነይሩና። ካብኡ ተጻዒንና፡ ክልቲአን ቦጦሎኒ ተመራሪሕና ዶጎሊ ንኣቱ። ኩሉ’ቲ ካብ ድፍዓት ባጽዕ ክወጽእ ዕድል ዝረኸበ፡ ኣንሳሒቡ ገሊኡ ኣብ ዶጎሊ በጺሑ፡ ገሊኡ ከኣ ኣብ ጉዕዞ ይጸንሓና። ማይ እናሰደድካ፡ ሰብ እናሰደድካ ኩሉ እቲ ሰብ ኣብ ዶጎሊ ከምዝጠራነፍ ተገይሩ። ልክዕ ኣብቲ እቲ እዋን እቲ ናብ ምዝላቕ ገጽና

“ኣብ ውግእ ሰምሃር ኣንጻር ጸላእን ባህርን ኢና ተዋጊእና” ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃ/ስላሰ

ዓስራይ ክፋል

ዝኣንፈትናሉ እዋን እዩ። ንዓና ብዙሕ ኣይርድኣናንን እዩ። ካብ ደጎሊ እንደገና ንባጽዕ ክንምለስ ኢና ንብል እምበር ኣብ ደጎሊ ከምእንደገና ክንዓርድ ኢና ወይ ከነዝልቕ ኢና ዝብል ሓሳብ ሽዑ ኣብ ሓንጎልካ ኣይመጻልካን እዩ። መሪሕነትና ኣኼባ ከምዝገበረ’ሞ ውሳኔ ናይ ምዝላቕ ከምዝወሰደ ይንገረና። “ምዝላቕ” እንታይ ማለት እዩ ኣይርድኣናን እዩ ሽዑ። ቅድም ካብ ደቀምሓረ ከነዝልቕ እዩ ተወሲኑ ነይሩ፣ እቲ ናይ ካልእ ብዙሕ ኣይተተንከፈን። መሪሕነት ግን ወዲእዎ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ሚዛን ሓይሊ ይቀያየር ከምዘሎ፡ ናይ ሶቬት ምትእትታው ክሳብ ክንደይ ገዚፍ ከምዝኾነ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ስለዝነበረ። ንሱ፡ ጥራይ ዘይኮነ በዓል የመን፡ ሊብያ ኲባ - ኩለን እተን ናይቲ እዋን እቲ ገስገስቲ እየን ዝበሃላ ሃገራት ብሓደ ጥሙር ዝኾነ ግንባር ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈን ብኣካል ክዋግኣ ይመጻ ከምዘለዋ ኣጸቢቑ ተረዲእዎ ነይሩ። ንሕና ኣብ ደጎሊ ዓሪድና። ደቡብ

ከኣ ከዝልቕ ተወሲኑ። ቅድሚ እቲ ናይ ምዝላቕ መስርሕ ምፍጻሙ፡ ኣነ “ናብ ብርጌድ 31 ተቐይርካ ኣለኻ” ተባሂለ ይንገረኒ ማለት እዩ። ብደረጃ ማእከልነት ብርጌድ ክሰርሕ ናብ ብርጌድ 31 ተቐይረ። ብርጌድ 31 ዳሊን ወልደዝጊን ብዝበሃሉ ብጾት እያ ትምእከል ነይራ። ወልደዝጊ ኣብ ውግእ ዓዲ ያቆብ ተሰዊኡ። ዳሊ’ውን ማህረምቲ ስለዝነበሮ፡ ኣብቲ ብርጌድ ደኣ ጸኒሑኒ እምበር፡ ኣይደንጎየን ቀልጢፉ እዩ ተቐይሩ። ስለዚ፡ ኣብ ብርጌድ 31 ኣነ ጥራይ እየ ነይረ ማለት እዩ ከም ማእከልነት። ናይ ብርጌድ 31 ክልተ ቦጦሎኒ ኣብ ደጎሊ ስለዝነበራ፡ ምቕያረይ ምስተነግረኒ ብቐጥታ ናብኣተን እየ ከይደ። ንሳተን ከኣ ቀልጢፈን ክነቕላ ስለዝተነግራ፡ ምስኣተን እነቅል። ካብኡ ተበገስ ተባሂሉ፡ ካብተን ክልተ ቦጦሎኒታት ብርጌድ 31፡ እታ ሓንቲ፡ ቦጦሎኒ ናይ ዓብዱ ንባረንቱ ትብገስ። ኣብ ባረንቱ ምስ ዓማ ዓሪድና ባረንቱ ንምሓዝ ዝተገብረ ሓባራዊ ስርሒት ነይሩ። ግን ምስቲ ናይ ተጋድሎ

ሓርነት ኤርትራ ልግምምና፡ ኣይሰልጠን። ኩለን ከተማታት ክተሓዛ ከለዋ፡ ባረንቱ ኣይተታሕዘትን። መወዳእታ ከኣ ንብጾትና ገዲፎሞም ስለዝኸዱ፡ ብጾትና በይኖም ክምክቱ ተገዲዶም። ምስቲ ዝመጽኣ ዘሎ ወራር ናይ ጸላኢ ኣብ ኣፍደገ ናይ ባረንቱ ኮይኖም ክምክቱ ስለዘይክእሉ ከኣ፡ ኣብ ከባቢ ሞጎሎ ዓሪዶም። ኣብኡ እውን ክቕጽልዎ ኣይከኣሉን። ዝሓሸ ቦታ መሪጽካ ምሓዝ ይሓይሽ ተባሂሉ፡ ካብኣ ነቒሎም ጽርግያ ጽርግያ ንኣቑርደት ገጾም ክመጹ ከለዉ ኢና እምበኣር፡ ሓንቲ ቦጦሎኒ ሒዝና ኣብኣ ንረኽቦም። ሽዑ ኣጋጣሚ ዋላ መሪሕነት እውን ኣብቲ ቦታ እቲ ስለዝነበሩ፡ ኣብታ መገዲ ይረኽቡና’ሞ፡ “ተመለሱ” ይብሉና። “ናበይ ክንምለስ ደኣ?” ንብሎም። “ደሓን ንድሕሪት ተመለሱ’ሞ፡ ዝሓሸ ቦታ ንምሓዝ ኮፍ ኢልና ክንዘራረብ ኢና” ኢሎምና። ምስ’ተን ዘንሳሕባ ዝነበራ፡ ኣብ ቅድሚት ዝጸንሓ ኣሃዱታትና ተጠራኒፍና እንገርነ ንመጽእ። ኣብኡ ኣኼባ ይግበረልና። ኣብቲ ኣኼባ፡ እዚ ከባቢ እንገርነ ዘሎ ጎቦታት፡ ናብ ደብሪሳላ ገጹ ዝጥምት ወይ ከኣ እቲ ድሕሪ ኣቑርደት ዘሎ ታባታት ምስ ቃርዑበል ኣተኣሳሲርካ፡ ክተሓዘሉ ዝከኣል መገዲ እንተልዩ፡ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ኣጽኒዕና ዕርድና ክንተክል ተነጊሩና። ካብቲ ዕለት እቲ ንድሕሪት፡ እቲ ግንባር ከም ግንባር ተፈሊጡ፡ ኣሃዱታት ክውሰኻሉ ምዃነን፡ ናይቲ ግንባር ኣዛዚ ከኣ ተኽላይ ምዃነይ ተነጊሩና። መራሕትና ነዚ መምርሒ እዚ ገዲፎምልና ንድሕሪት ንከረን ይኸዱ። ምኽንያቱ፡ ብኻልእ ግንባራት እውን እቲ ኲናት ጽዒቑ እዩ ነይሩ። ሽዑ ኣብኣ ዝነበራ ኣሃዱታት፡ ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ብርጌድ 31፡ ሓንቲ ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 51፡ ሓንቲ ቦጦሎኒ ከኣ ናይ ብርጌድ 4 እየን።፡ ኣብ ርእሲ’ዚ ሓንቲ ሓይሊ ትኸውን ናይ ከቢድ ብረት ኣሃዱን ሓንቲ ጋንታ ትኸውን ናይ ሃንደሳ ኣሃዱን ነይረናና። ኣብ መወዳእታ እውን ሓንቲ ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 58 ተደሪባትና። ነዚ ኣሃዱታት’ዚ ወዲብና፡ ኣተኩሮና ኣብቲ ጸላኢ ክመጻሉ ወይ ክሓልፈሉ ይኽእል እዩ፡ ጸላኢ ከጥቅዓሉ ይኽእል እዩ ዝበሃል ቦታታት ጌርና ዕርድታተን ኣትሒዝናየን። ድፍዓትና እውን ኣደልዲልና ሃኒጽና። እቲ ጎልጎል ከይተረፈ ብስርዓት ተዃዒቱ፡ ኣብ ማእከል ጎልጎል ኮይንካ ክትታኾሰሉ ትኽእል ኮይኑ እዩ ተሃኒጹ። ነቲ ድፋዓት እቲ፡ ጸላኢ ከይተረፈ ይዛረበሉ ነይሩ። ብዝኾነ፡ ጽቡቕ ጌርና ድፍዓትና ሒዝና ንመጥቃዕቲ ጸላኢ ንጽበ ማለት እዩ። ኣብ ከምዚ እንከልና፡ ክልተ ግብረ ሃይል ናይ ጸላኢ ናብቲ ሒዝናዮ ዘለና ግንባር ኣምሪሑ። እቲ ሓደ ካብ ከባቢ ሽረ ተበጊሱ፡ ብሻምብቆ ቆሪጹ ንባረንቱ ዝኣቱ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ ብሕሞራ ቆሪጹ፡ ብኦምሓጀር፡ ገሉጅ፡ ተሰነይ ረጊጹ ንባረንቱ ዝኣተወ ማለት እዩ። እዚ ብሕሞራ ዝመጸ 501 ግብረ ሃይል፡ እቲ ብሽረ ኣቢሉ ሻምብቆ ዝኣተወ ድማ 502 ግብረ ሃይል ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ።

ይቕጽል

Page 4: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 4

ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ደሊና ዝተባህለት ተማሃሪት ናይ ዘቕረበቶ ሕቶ ምላሽ ቀዳማይ ክፋሉ ወጺኡ ነይሩ። 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋሉ ክስዕብ’ዩ።

ዝኸበርኪ ደሊና፡ ኣብ ኣጸናንዓና ነቲ ነገር ክንደይ ግዜ ርኢናዮን ኣንቢብናዮ ወሳኒ’ዩ። ንኣብነት፡ ነታ ምሳና እትነብር ኣደና ክንርስዓ ዝኸብድና ብዙሕ ግዜ ምስኣ ስለ እነሕልፍ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ሓንሳብ ኣብ ህይወትና ዝረኣናዮ ጓና ቀልጢፍና እንርስዖ ድማ ምስኡ ብዙሕ ግዜ ስለ ዘየሕለፍና’ዩ። ካብዚ ወጻኢ ምስ ጽቡቕ ግብሪ እዞም ሰባት ጥራይ ዝተኣሳሰር ጉዳይ ኣይኰነን። ንኣደና እንዝክረሉ ንጓና እንርስዓሉ ምኽንያት ንኣደና ብዙሕ ግዜ ስለ እንረኽባን እንርእያን ነቲ ጓና ግን ሓንሳብ ስለ ዝረኸብናዮ ጥራይ’ዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ’ዩ - እቶም ዘንብቡ ሰባት ኣብ ‘ስፐሊን’ ሓያላት ዝዀኑ። ነቶም ቃላት በብእዋኑ ስለ ዝረኽብዎም ክገግይዎም ኣይኽእሉን’ዮም። ምናልባት’ውን ክልቲኦም ሰባት እንተዝዀኑስ፡ ‘ሓንሳብ እንተ ተራኸብካስ እባ …” ምተባሃሃሉ ነይሮም። ስለዚ፡ ቀንዲ ጸገምኪ ነቲ ዓይነት

ትምህርቲ ካብ ዘይምፍታው ዝብገስ’ኳ ክኸውን ዝኽእል እንተዀነ፡ ነቲ ትምህርቲ ክንደይ ግዜ ደጋጊምኪ ተንብብዮ’ውን ተራ ኣለዎ። ካብ ዓይኒ ዝገለለስ ካብ ልቢ (ወይ ከኣ ካብ ርእሲ ወይ ከኣ ካብ ዝኽሪ) ገለለ ስለ ዝኾነ።

ቀንዲ ጸገምኪ ግን ካብ ኣናብባኺ ከይከውን ጠርጢረ ኣለኹ። ካብ ደብዳበኺ ብዙሕ ዓይነት ጽሑፋት ከም እተንብቢ ተረዲአ ኣለኹ። ከምዚ ምግባርኪ ዝንኣድ’ኳ እንተኾነ ንኹሉ ብሓደ ዓይነት መገዲ ተንብብዮ እንተዄንኪ ግን ጸገም ኣለኪ። ከመይ ኢልኪ ከም እተንብቢ ስለ ዘይገለጽክለይ እዚ ዝጽሕፈልኪ ዘለኹ ገሚተ’የ። እንተ ገሚተ ጽቡቕ፡ እንተዘይገሚተ ግን ኣድራሻኡ ከም ዝሰሓተ ወይ ከኣ ከም ዝተጋገየ ደብዳበ ውሰድዮ። እቲ ምኽሪ ናብ ካልእ ሰብ ክኸይድ ዝግብኦ ናብኺ መጺኡ ኣሎ ማለትዩ። ብዙሕ ዓይነት ኣናብባ ኣሎ

ኣናብባ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ

እብል ኣለኹ። ንባብ ከም መግቢ’ዩ። ካብ ተሞክሮኺ ንኹሉ ዓይነት መግቢ ብሓደ ከም ዘይትበልዕዮ ፍሉጥ’ዩ። ንገሊኡ ኩሉስ ኩሉስ

ኣቢልካዮ ክትትንስእ ትኽእል ኢኻ። እዚ ፍትፍት ዓይነት ጽሑፋት’ዩ። ከይትሕነቕን ዓጽሚ ከይረኽበኒን ኣይትብልን ኢኻ። እዚ ናይ ልብወለድ መጻሕፍቲ’ዩ። ወይ ከኣ ንመዘናግዒ ኢልካ እተንብቦ ጽሑፋት’ዩ። ናይ ብንያም ፍስሓጽዬን ልብወለድ ከምዚ ጌርኪ እንተ ኣንበብክዮ ብንያም ንገዛእ ርእሱ ይኹሪ’ዩ ኣይብልን’የ። ንሱ ንገዛእ ርእሱ’ውን ብህድኣት ክንበብ ኢሉ ዝጸሓፎ ኣይመስለንን።

ካልእ ዓይነት ጽሑፋት ትምህርታዊ ጽሑፋት’ዩ። ዕላማኡ ከኣ ክዝከር ዝግብኦ ሓሳባት ዘፍስስ’ዩ። ሰብ ኣንቢቡ ክጥቀመሎም ተባሂሎም ስለ ዝጸሓፉ ሰባት ከንብብዎም ከለዉ ከኣ ቀስ ኢሎም’ዮም ዘንብብዎም። ክጸሓፉ እንከለዉ‘ውን ሰባት ቀስ ኢሎም ከንብብዎም ከም ዝዀኑ ኣብ ግምት ኣትዮም’ዮም ዝጸሓፉ። እዚ ዓይነት ጽሑፋት፡ ቅልዋ ወይስ ጸብሒ ዓሳ’ዩ። ስጉድ፡ ስጉድ ኣቢልካዮ ክትትንስእ እትኽእል ዓይነት ጽሑፋት ኣይኰነን። ኣብኡ ብዙሕ ኣዕጽምትን ኣብ ጎረሮኻ ክሽከል ዝኽእልን ካልእ ከምኡ መሳሊ መግቢ ዝርከቦን’ዩ። ጽሑፋት ሃይማኖትን ሕግን ብባህሪኦም ከምዚ ዓይነት’ዮም። ኣብ ብዙሕ ክርክርን ባእስን ከእትዉኻ፡ ብብዙሕ መገዲ ከኣ ክትርጎሙ ዝኽእሉ ዓይነት ጽሑፋት’ዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ ቃላት ካብቲ መዓልታዊ ትርጉሞም ፍልይ ብዝበለ ትርጉም ስለ ዝለብሱ ጸሓፍቲ ኣብ ጽሑፋቶም እቶም

ቃላት ከመይ ዝበለ ትርጉም ሒዞም ኣለዉ ይገልጽዎም። ንኣብነት፡ ‘ላይፍ’ ኣብ ባዮሎጂን መንእሰያት ‘ላይፍ’ ክብሉ ከለዉ ዝጥቀሙሉን ትርጉም ሓደ ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ፡ ‘ዋት ኢዝ ዘ ማተር?’ ኢልካ ክትሓትት እንከለኻን፡ ኬሚስትሪ፡ ‘ማተር’ ክብል እንከሎን ትርጉም ‘ማተር’ ኣብ ክልቲኡ ሓደ ኣይኰነን። ስለዚ ኬሚስትሪ ማተር እንታይ ማለት‘ዩ ቅድም ይትርጉሞ፡ ዳሕራይ ናብ ካልእ ጉዳዩ ይኣቱ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጽሑፋት፡ ቅድም ከም ዓሳ ተጠንቂቕካ ትበልዖም፣ ተጠንቂቕካ ተንብቦም፣ ቃላት ለቢሶምዎ ዘለዉ ሓድሽ ትርጉም እንታይ ምዃኖም ተስተውዕለሎም። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እቲ ሓድሽ ትርጉሞም ካብቲ ናይ ቀደም ትርጉሞም ብኸመይ ከም ዝፍለ’ውን ተወዳድሮ።

ንባብ ግን ትርጉም ቃላት ጥራይ ምስትውዓል ኣይኰነን። እቲ ጸሓፊ በቲ ቃላት ኣቢሉ ክብሎ ደልዩ ዘሎ እንታይ’ዩ? መልእኽቲ፡ ሓሳባት ወይስ ዕላማ እቲ ጸሓፊ’ውን ምስትውዓል ተግባር ንባብ’ዩ። ኣብዚኣ ዝፈሸለ ኣንባቢ ከኣ ኣንቢቡ ክብሃል ኣይከኣልን’ዩ። ንኣብነት፡ እቲ ጸሓፊ ክትስሕቕ ኢሉ ዋዛ ነጊሩካ ስለ ዘይተረድኣካ

እንተዘይሰሓቕካ ኣየንበብካን። ልቢ ክትገብር ኢሉ ከምዚ ናይ ብዓል ኤዞፕ ዛንታ ነጊሩካ ነቲ ምኽሪ እንተዘይወሲድካዮ ኣየንበብካን። ከምኡ’ውን ሓደ ነገር ከመይ ክዕየ ይኽእል ከርእየካ ኢሉ ጽሒፉልካ ነቲ ነገር ክትሰርሖ እንተዘይክኢልካ ሕጂ’ውን ኣየንበብካን።

ጸገምኪ ኣብዚ ከይከውን እጥርጥር ኣለኹ። ኣብዚ’ዩ ክብል’ሞ ምኽረይ ወስ ከብል። ኣብዚ እንተዘይኰይኑ ኣብ ዝቕጽል ደብዳበኺ እቲ እትደልዮ ጸሓፍለይ ኢኺ። ጸገምኪ ኣብዚ እንተዀይኑ ግን ምኽረይ ስምዒ።

ጽሑፋት፡ ብሕጡበ ጽሑፋት ዝቖሙ’ዮም። ሕጡብ ንመስርሒ ቤት ከም ዝኸውን፡ ሕጡበ ጽሑፋት ድማ ሕጡባት ጽሑፋት’ዮም። ብሕጡበ ጽሑፋት ከኣ ጽሑፋት ንነድቕ። ስለዚ፡ ነታ ምልእቲ ጽሕፍቲ ክትርድእያ ንነፍሲ ወከፍ ሕጡበ ጽሑፍ ክትርድእያ ኣድላዪ’ዩ። እንተዘይኰነ፡ ነቲ ጽሑፍ ብምሉኡ ክትርድእዮ ከቢድ

ይኸውን። ምርዳእኪ ከኣ ከም ፍርቃ ዝተጨጨፈት ዕፉን ሽርፍራፍ ይኸውን።

ምሉእ ሓሳባት ሓደ ሕጡበ ጽሑፍ ክርድኦ እንታይ እንተገበርኩ ይሓይሽ? ኣብ ርእስኺ ዝመላለስ ሕቶ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ቅድሚ ኩሉ መጻሕፍቲ ሕጡበ ጽሑፋት

ከቑሙ እንከለዉ ነቲ ሓሳባት ዝገልጹ ኣብነት፡ መሰነዪ ስእሊ፡ መግለጺ ከም ዝህቡ ኣይትረስዒ። ኣብቲ እተንብብዮ ዘለኺ ገጽ ስእሊ ኣሎዶ? እቲ ስእሊ መግለጺ ቃላት ኣለዎዶ? ስእሊ እንተልዩ፡ እዚ ስእሊ እዚ ነዚ እተንብብዮ ዘለኺ ሓሳባት ዘራጉድ ድዩ? እቲ መግለጺ ቃላትከ ምስ ሓሳባት እቲ ሕጡበ ጽሑፍ ዝሳነ ድዩ? ኣብ ገሊኡ፡ እቲ ንስእሊ ከሰኒ ተባሂሉ ዝጸሓፍ መግለጺ ቃላት ካብ ማእከል እቲ ከሰንዮ ተባሂሉ ምስኡ ዝለግብ ሕጡበ ጽሑፍ ዝውሰድ’ዩ።

ኩሉ እቲ ኣብቲ ሕጡበ ጽሑፍ ዘሎ ነገራት ማለት ኣብነታት፡ መሰነዪ ስእሊ፡ መግለጺን ተሳንዮም ነቲ እቲ ጸሓፊ ክብለኪ ደልዩ ዘሎ ነገራት የብርሁልኪ። ትርጉም ስእሊ ተደመሮ ትርጉም ኣብነት ተደመሮ ትርጉም መግለጺ ይኸውን ትርጉም እቲ ምሉእ ሕጡበ ጽሑፍ።

ሓንሳብ ሓንቲ ሕጡበ ጽሑፍ ኣንቢብኪ ምስ ወዳእኪ፡ እቲ ጸሓፊ እቲ ክብለኪ ደልዩ ዘሎ ንዓኺ ብዝርድኣኪ ቋንቋ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ ጌርኪ ኣብ ጎኒ እቲ ሕጡበ ጽሑፍ ጸሓፍዮ። ሓሳባት እዚ ሕጡበ ጽሑፍ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ እትፈልጥዮ ነገራት ዘይሳነ እንተዀነኪ - ዘሎኪ ሕቶ ኣብኡ ኣንብርዮ። ንኣብነት፡ ኣብዛ እተንብብያ ዘለኺ ሕጡበ ጽሑፍ ዘለኪ ርእይቶ፡ ኣብርሃለይ እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ይኸውን? ንነፍሲ ወከፍ ሕጡበ ጽሑፍ ቀንዲ ሓሳባቱ ክንጽሕፈሉ እንተዄንና ሓንቲ መጽሓፍ ኣብ ዓመት እንተ ወዲእና’ውን ተኣምር ክኸውን’ዩ? ንባብ ከኣ ሓጎስ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ኣድካሚ ስራሕ ኣይከውንንዶ? ኢልኪ ክትጽሕፊ

ትኽእሊ ኢኺ።

ንኬሚስትሪ ብከምዚ ዲኺ ተንብብዮ ዘለኺ? እዚ ዝለኣኽኩልኪ ምኽሪ ክጠቕመኪ ተስፋ እገብር። ብሰላም ቀንዪ፡ ኣሳልጦ እምነየልኪ።

መም/ ኣብርሃለይ ሃብተ ኣስመራ

Page 5: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 5

ሜጀር ተኸስተ ተኽለ (መርሓኖ)፡ ብዛዕባ’ታ ምስ ስዉእ ኮሎኔል ሚካኤል ኮይኖም ካብ እምበረሚ ናብ ፍልፍል ዘምጽኡዋ “ትራስከቫተር” ከዘንቱ ከሎ “ነታ ትራስካቫተር ኣቑሕታ ዘይኰነ፡ ብኣካላ ክነምጽኣ ኢልና ኢና ናብ’ቲ ቦታ ዝኸድና። ኣብ ባጽዕ ሓፋሽ ውዱብ ዝነበረ ወልዱ ምስግና፡ ብስራሕ ኣመኽንዩ ነታ ትራስካቫተር ካብ ውሽጢ ባጽዕ ናብ ኣማተረ ኣንቀሳቐሳ። ወልዱ ኣማተረ ምስ ኣብጽሓ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝሰርሑ ዝነበሩ ፈዳይን (ደቂ-ኣራዊት) ማለት በዓል ብርሃነ ኣፍሮ፡ ዑስማን ከራስን ካልኦትን ኣብ ኣማተረ ካብ ወልዱ ተቐቢሎም፡ ብመንገዲ እምበረሚ ካብ ባጽዕ የውጽእዋ። ድሕር’ዚ ኣነን ሚካኤልን ካብ እምበረሚ ተቐቢልና ንኸነውጽኣ ናብ እምበረሚ ከድና። ናብ ፍልፍል ንኽንወስዳ እናዘወርና ሒዝናያ እናኸድና ከለና ግን፡ ኣብ መንገዲ ጎማ ነፊሱና። ሽዑ ሚካኤል ናባይ ግልጽ ብምባል “መርሓኖ - ጎማ ነፊሱ ኣሎ እንታይ ንግበር?” በለኒ። “ክላማዳርያ የብላን ‘ቱፕለስ’ እያ) ምስ በልኩዎ፡ “ብዘይ ክላማዳርያ ኣይትኸይድን እያ ሓዲኡ ግበር” ምስ በለኒ ነቲ ጎማ ብትንትን ኣቢለ ኣውጺአዮ። ሚካኤል እቲ ጎማ ኣይብላዕ ኣይስተ ኮይኑ ምስ ረኣዮ፡ ‘ሕጂ ደኣ እንታይ ይሓይሽ - ኣነ ድየ ክላማዳርያ ክኸውን ወይስ ንሳኻ?’ በለኒ። ድሕሪ ግዜ ናይ ትራክተር ጎማ ካብ ኣስመራ ምስ መጽኣና ኢና፡ ካብ’ቲ ናይ ትራክተር ጎማ ክላማዳርያ ገይርናላ። ክላማዳርያ ምስ ተረኽበ እውን፡ “ኮምፕረሶረ” (መንፍሒ) ስለ ዘይነበረና፡ ነቲ ጎማ ንምንፋሕ ቃልስን ጥበብን ዝሓትት ስራሕ ኰነ። ምስ’ቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ናይ ቦጦሎኒ ሓደ ሓንቲ ጋንታ፡ እናተሓጋገዝናን ብእግሪ እናነፋሕናን ብኽንደይ ገልጠምጠምን ሽግርን ኣብ ጋራጅ ፍልፍል ኣብጻሕናያ።

ህዝባዊ ሓይልታት ከኣ፡ ካብ መኪናን ትራክተርን ሓሊፉ ትራስካቫተር ወነነ። እዛ ትራስካቫተር ኣብ ህንጻዊ ስራሓት ውድብ ናታ እጃማ ኣበርኪታ” ይብል።ወድብ ህ.ግ. ድሕሪ መጓዓዝያ ገመል

ዝወነኖ ዘመናዊ መጓዓዝያ፡ ካብ ሎሪ ናብ ትራክተር፡ ካብኡ ናብ ማርቼድስ እናሰገረ እዩ ተሽከርከርቲ ዘሰስን ዝነበረ። ብኸም’ዚ ድማ መካይን ብዓይነትን ብዝሕን እናወሰኻ መጽኣ። ተጋዳላይ ኮሎኔል ተስፋሚካኤል የማነ

(ባዱ) ኣብ 1990 ኣብ መጽሔት ሓርበኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ብዛዕባ’ተን ካብ ጸላኢ ዝምንዛዓ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ኣዘንቱ’ዩ ነይሩ።

“ምስ ምሕራር ከተማታት፡ ቁጽሪ መካይን ሰውራ ክስስን ተራእየ። ፈለማ ኣብ ቅሮራ 2 ማግ ዝዓይነተን መካይን

ተረኺበን። ስዒቡ’ውን ኣብ ናቕፋ ሓንቲ ቦጥ፡ 10 ካሶነ፡ ብኣጠቓላሊ 11 መካይን ተረኺበን። ኣብ ኣፍዓበት’ውን ሓንቲ ማርቸድስ ተሰሊባ። ንፈለማ እዋን እዛ ኣብ ናቕፋ ዝተታሕዘት 23 በርሚል እትሕዝ ማግ ዝዓይነታ ቦጥ፡ ነዳዲ ክትጽዕን ናብ ሱዳን ተላኢኻ። ነዳዲ ብበራሚል ኣብ ሎሪ ተጻዒኑ ክመጽእ ከሎ ዘጋጥም ካብ ዝነበረ ምቕዳድን ምፍሳስን ከምኡ’ውን ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ዝፍጠር ዝነበረ ሽግራትን ሃልክን ብሳላ እታ ሓንቲ ቦጥ ተፈቲሑ። መጓዓዝያ ህዝባዊ ሓይልታት ዝላ

ብዝመስል ዕብየት ዘርኣየ ግን፡ ድሕሪ ምሕራር ከተማ ከረን እዩ። ሽዑ አብ ከረን 80 ዝኾና ጥዑያትን ሕማቓትን መካይን ጸላኢ፡ 350 ዝዀና ዝሰርሓን ዘይሰርሓን ናይ ሲቪል ተሽከርከርቲ ተረኺበን። ብዘይካ እዚኣተን’ውን በብግዜኡ ብስርሒታት ናይ ውፉያት ካብ ኣስመራ ዝወጽኣ ዝነበራ፡ ኣብ መስመር ኣስመራ ባጽዕ ካብ ዝንቀሳቐሳ ኮሎኛታት ጸላኢ ዝተሰልባ ሓያለይ መካይን ነይረን። ምስ ምስሳን መካይን ከኣ፡ ጋራጃት ኰነ መዕቈሪ ነዳዲ እናዓበየ ከደ። ቀስ ብቐስ እተን ካብ ንተጋደልቲ ምግልጋል ዘይሓልፋ ዝነበራ መካይን፡ እናሰሰና ምስ መጽኣ፡ ንህዝባዊ

ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዕድል ከፈተ። ዓቕሚ ክኢላታት ጽገናን መራሕቲ መካይንን እውን፡ ብሳላ’ቶም በብእዋኑ

ናብ ሰውራ ዝስለፉ ዝነበሩ ሞያውያን ክብ በለ።” ሜጀር ገብረመስቀል

ፋየር - ቅድሚ ናብ ሜዳ ምውጽኡ፡ ምስ’ታ ከምኡ ወድብቲ ዝነበረትን ደሓር ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈት፡ ተጋዳሊት ታቦቱ ብርሃነ (ጓል ሸምበል) እዩ ተመርዕዩ። ድሕሪ መርዓኡ፡ ሓዳሩ ከየጣጥሐ፡ ኣብ’ታ ብስራት ዓወት ደሚቑላ ዝነበረት 1977 ዓ.ም.፡ ካብ ሓፋሽ ውድባት ናብ ምዱብ ተጋደላይ ክሰጋገር ስለ ዝወሰነ፡ ኣሰር እቶም ቀዳሞት ሞያውያን ብምስዓብ፡ ነታ ሓዳሽ መርዓት ገዲፉ፡ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰለፈ። ካብ’ቲ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ከኣ፡ ነቲ ብንእሰነቱ ዘጥረዩ ሞያ ባሊስትራን ሳልዳቶረን ኣብ ጥቕሚ ሰውራን ሃገርን ከውዕሎ ጸኒሑ። ካብ 1977 ጀሚሩ ድማ ምስ’ቲ ቅድመኡ ዝወጸ ስዉእ ኮሎኔል ሚካኤልን ብጾቱን፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ኣብ ዝተፈላለየ ሞያዊ ዕማማት ተዋፊሩ

ኣገልጊሉ።ሜጀር ፋየር ብዛዕባ ስውእ ኮሎኔል

ሚካኤል ከዘንቱ ከሎ “ስውእ ሚካኤል ናብ ጋራጅ ፍልፍል ምስ ተመደበ፡ እቲ ጋራጅ ዝያዳ ምእንቲ ክሰርሕ፡ ነቲ ናይ ቶርኒቶረ ክእለት ዝነበሮ’ሞ፡ ኣብ ማህሚመት ዝተመደበ ግደይ ዘራጽየን ናብ ጋራጅ ፍልፍል ክስዕቦ ሓተተ። ግደይ ምስ ሻድሻይ ርእሱ (ደቂ ኣንስትዮ እውን ነበራኦም) ናብ ጋራጅ ፍልፍል ክመጽኡ ከለዉ፡ ስውእ ሚካኤል ኣብ ፍልፍል ዋርድያ ኮይኑ እዩ ጸኒሑዎም” እቲ እዋን ዝናብ ብዘይዕረፍቲ ዝዘንበሉ ስለ ዝነበረ፡ ስዉእ ግደይ ምስ ሚካኤል ምስ ተራኸቡ “በል ርአ ብታሕቲ ዚንጎ ብላዕሊ ዚንጎ ምስ ንእሽቶይ ክሻ፡ ብቑሪ ሞይተልካ ኣለኹ። ከይሞትኩ ተቐቢረ ኣለኹ” ክብል ከም ዘስሓቖ የዘንቱ ነበረ። ኣብ መስርሕ ምምስራት ጋራጅ ፍልፍል፡

ንብረት ጸላኢ ዝኾና ሓንቲ “ቶርኒዮ”ን ሓንቲ “ጀነሬተር”ን ካብ ኣስመራ ተጨውየን ምስ ወጻ፡ ንጋራጅ ፍልፍል

መሓመድእድሪስ መሓመድ

ስውእ ኮሎኔል ሚካኤል ፍስሃየ

ኮሎኔል ሚካኤል- “ኣቦ መሃዝነትን ተወፋይነትን”

4ይ ክፋል

መበገሲ ኰይነን እየን። እዘን መሳርሒታት ካብ ኣስመራ ተጨውየን ምስ ወጽኣ፡ ግደይ ኣብ ጎኒ ሞያውያን ብጾቱ ኰይኑ ብኣኣተን ስርሑ ጀመረ። ምትእኽኻብ ናይ ሞያውያን ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኣስመራ፡ እምነ መሰረት ናይ ጋራጃት ህዝባዊ ሓይልታት ኣንበረ። ስውእ ኮሎኔል ሚካኤል ብዘይካ’ቲ ኣብ

ሞያዊ ክእለቱን ጥበቡን ዝነበሮ ተወፋይነት፡ ኣብ ዕለታውን ማሕበራውን ሂወት ተጋደልቲ እውን ከም ሰቡ ይሳተፍ ነበረ። ንሓለዋ ዋርድያ ይወጽእ፡ ብጾቱ ንኸዐንግል መጋባይ ይስራዕ፡ መኪና እናመርሐ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣውቲስታ ኮይኑ ይነጥፍ፡ መካኒክ ኰይኑ ዝተበላሸዋ መካይን እናጸገነ ናብ ንቡር ይመልስ. . . ኣብ ኩሉ ዕማማት እዩ ዝጸንሕ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡ ኣብ ሕሰም ይኹን ኣብ ራህዋ ሰው ዘብሎ ዋዛን ቁም ነገርን፡ ብጾቱን መሳርሕቱን ክሳብ ሕጂ ዝርስዕዎ ኣይኰኑን። ሓደ ግዜ ኮሎኔል ሚካኤል ኣብ ፍልፍል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ’ቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ጀራዲን፡ ንዕኡን ንብጾቱን ዝኸውን ውሑድ ኣራንሺ ሰሪቑ ክወጽእ ከሎ፡ ኣባላት ሕርሻ ሓዝዎ’ሞ፡ ነተን ሒዝወን ዝነበረ ኣራንሺ ከግድፉዎ ተደናደኑ። ሽዑ ኮሎኔል ሚካኤል “ቫውሬቶ ሚካኤል፡ ኣራንሺ ብዘንቢል ትዕድሎ ከም ዘይነበርካስ፡ ሎሚ ካብ ኢድካ ክትምንጠል፡ ወይ ጉድ!” እናበለ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቱ ብምስትንታን ኣስሓቖም። ፍልፍል ካብ ኣስመራ ርሑቕ

ብዘይምንባሩ፡ ወላ’ኳ ጸላኢ ብኣጋር ክወፍር ዓቕሚ እንተ ዘይነበሮ፡ ካብ ዝንበያ ነፈርቲ ግን ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን። ሓደ እዋን ሚካኤል ኣብ’ተን መካይን ኰይኑ ሓርኮትኮት እናበለ ከሎ፡ ነፈርቲ ኲናት ትሒተን እናበረራ ነቲ ከባቢ በጽበጻኦ። ኣብኡ ዝነበረ ሰብ ‘መዓስ ኰን ይድርብያልና ይዀና’ ኢሉ ናብ ሰማይ እናጠመተ ክሽቑረር ከሎ፡ ሚካኤል ናብ’ተን ዝዝንብያ ዝነበራ ነፈርቲ እናማዕደወ፡ “መዓስ ኰን ኢና ከም’ዚአን ንሰርሕ!” እናበለ ብዛዕባ ሞት ከይሓሰበ፡ ብዛዕባ ምስራሕን ምውናንን ነፈርቲ ይሓልምን ይብህግን ነበረ። ኣብ’ቲ እዋን ከኣ፡ ነተን ኣብ ዓውደ ኲናት ዝስለባ ዝነበራ መካይን ኰና ታንክታት ከዐርዩ፡ ሚካኤልን ብጾቱን፡ ናብ’ቲ ርሱን ኩናት ዝካየደሉ ዝነበረ ግንባር ሰሓርቲ ከዱ።

ይቕጽል….

ህዝባዊ መጓዓዝያ ህ.ግ. (1977 ከረን)

መኻይን ሰውራ ኣብ ምስሳኑ

Page 6: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

ካልኣይ ሕታም

ብኣንበብቲ ዓቢ ኣድናቖት ኣትሪፍ ዘላ መጽሓፍ ‘‘ተመርዓወኒ’ባ’’ ንኻልኣይ ግዜኣ ተሓቲማ፡ ካልኣይ ሕታም ኣብ ኩለን ኣብያተ መጽሓፍቲ ተዘርጊሓ ኣላ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብቑጽሪ ስልኪ 07175346 ተወከሱ። መጽሓፍ ተመርዓወኒ’ባ ሞያውያን ኣሳቲፋ ካብ ዝሓለፈ እዋን ፍልይ ብዝበለ መሳጢት ኮይና ቀሪባ ኣላ።

መጽሓፍ ተመርዓወኒ’ባ

መጽሓፍ ተመርዓውኒ’ባ ካልኣይ ሕታም

ብስራት ንኩልኹም ዓማዊል ዶልቸ ቪታ፡ ዛኤር ሓ.ዝ.ብ.ማ. ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ፍልይ

ዝበለ ህያብ ቀሪብልኩም ኣሎ። ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ 50% ዝበጽሕ ዓቢ ምጉዳል ዋጋ ከምኡ’ውን ኣብ

ናይ 500 ናቕፋ ዝዋግኡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ካሚቻ 2 ሓባ ምስ ዝገዝኡ 1 ተወሳኺ ብናጻ ከምዝወሃቦም ከነበስር ንፈቱ።

ኣድራሻና ኣስመራ መንደፈራ Ø ጎደና ሓርነት ቁ. 32 Ø ከባቢ ሞቢል 09 ነበር ፊት ካተድራል ቤ/ክ ቁ.ስ. 610017 ቁ.ስ. 110074

ከረን Ø ጎደና ተጋደልቲ(ባራቶሎ ነበር) Ø ፓላሶ ሪቫ ጎዳይፍ ቁ.ስ. 400301 ቁ.ስ. 182383 ደቀምሓረ Ø ኣስማራ ፓላስ Ø ጥቓ መድሃኔዓለም ኢንተርኮንቲነንታል ነበር ቤተክርስትያን ቁ.ስ. 153700 ext.2280 ቁ.ስ. 640549

INVITATION FOR BID

The British American Tobacco Eritrea Share Co. (BATE) invites interested bidders for the supply and installation of a new Solar system which meets the below mentioned specification requirements.

The solar system to be supplied and installed should meet the following requirements. 1. The system should be able to carry a load for 5KW for at least six hours per day.2. The batteries should be 2 volt with at least 1,200Ah. Batteries should be European Standard.3. The battery rack (stand) should be supplied by the battery supplier.4. The battery should be dry type of zero maintenance.5. The solar modules should be at least 250 watt. The modules should be from a known supplier which meets European standards. The modules should also be mono crystalline.6. The mounting structures for the solar module should be of high quality with option of adjusting to the desired orientation and no rusting materials.7. A 48 volt/230 volt (5KW continuous power) bi-directional inverter/charger (charged both from solar and commercial power) which meets European standard and from a known supplier.8. A battery fuse and earthing kit that adapt the 5KW requirement should be included.9. European standard certificate to be presented to each item above.10. Other installation materials and accessories that required to the above system should be included11. The supplier must install the solar system in our premises.12. The supplier must commissioned the solar equipment/materials and the installation process (specify the warranty time).13. The units will be installed on the roof 14. Free maintenance period of 2 years from the date of installation.

Other information and requirement:-1. Renewed Trade license for 2013.2. Bid security deposit of Nfa.50, 000. by C.P.O.3. Last date for bid submission will be on April 21-2014 before noon.4. Request for Quotation form is available at BATE Procurement office any time during working hours /8:00A.M-4:30P.M Straight/.5. Work method statement of installation together with risk assessment to be provided.6. Visit to site is a must to ensure clarity of work expectations.7. A warranty of minimum 5 years to be supplied for the equipment proposed.

N. B The British American Tobacco Eritrea Sh. Co. reserves the right to accept or reject all or part of the bid.

N.B:- For further information please call or visit our office.

British American Tobacco Eritrea Sh. Co.P.O.BOX. 749 Tel No. 125811-12/121570

ASMARA

ERITREA

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ መብራህቶም ዑቕባይ ተኸሳሲ ኣቶ ዓብደልቃድር ካሕሳይ ዝነበረ ናይ መሸጣ ናይ ገዛ መኪና ቁ.ሰሌዳ ER-1-20112 ዝኾነት መኪና ሽም ከየመሓላለፈለይ ስለዝኸደ፡ ተኸሳሲ ን1/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ጉዳዩ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ወ/ሮ ኣሰፋሽ ገብረወልዲ ተፈሪ በዓል ቤተይ ኪዳን ገብረሙሴ ኣድሓኖም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጻዕዳክርስትያን

ኤርምያስ ኣለምሰገድ፡ ኣደይ መኣዛ ገብረእግዚኣብሄር ባይሩ ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/5/14 ኣብ ቤ/ፍ

ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓድታት ክትመውሊዕ

ኣቶ ቀሺ ባህልቢ ቀሺ ባሓይ ኪዳነ፡ ኣቦና ቀሺ ባሓይ ኪዳነ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ጻዕዳ ክርስትያንሞጎስ ኣብርሃም ተስፋሚካኤል ምባል ተሪፉ፡ ሞጎስ ለገሰ ገብረእግዚኣብሄር ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን1/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዳኒኤል ሰለሙን ተኽለኣብ ብሞግዚቱ 1.ኣቶ ሰለሙን ተኽለኣብ 2.ወ/ሮ ሳምራዊት ሓጎስ ኣቢሉ፡ ዳኒኤል ሰለሙን ተኽለኣብ ምባል ተሪፉ፡ ኣዶናይ ሰለሙን ተኽለኣብ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዳኒኤል ሰለሙን ብሞግዚቱ 1.ኣቶ ሰለሙን ተኽለኣብ 2.ወ/ሮ ሳምራዊት ሓጎስ ኣቢሉ፡ ስም ኣደይ ሳምራዊት ሰለሙን ኣበደ ምባል ተሪፉ፡ ሳምራዊት ሓጎስ ኣበደ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ወኪድባ

ወ/ሮ ሃንሱ ወልዱ ሃብተጋብር፡ ወላዲና ኣቶ ወልዱ ሃብተጋብር ገብረሚካኤል ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ እምበይቶ

ወ/ሮ ኣምለሰት ተስፋማርያም ደበሳይ በዓል ቤተይ ኣቶ ኣብርሃ ዓንደጽዮን ተወልደብርሃን ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ መርሓኖ

ወ/ሮ ተኽኣ ወልደሩፋኤል በዓል ቤተይ ተጋዳላይ ገብረእግዚኣብሄር ተኽላይ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዛውል

ዮርዳኖስ ሓየሎም ምሕረትኣብ በዓል ቤተይ ኣማንዝጊ ገብረስላሰ ወለስላሰ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን

02

ኣቶ ግደ ተስፋማርያም በኺት፡ ሓወይ ኣባ እስቲፋኖስ ተስፋማርያም በኺት ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ኣብ ቀዋሚ ኮነ ተንቀሳቓሲ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኳዓቲት

ወ/ሮ ልኡል ኣስፍሃ፡ ኣቶ ተኽሎም በየነ፡ ኣቶ ዘርኦም በየነ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ኳዓቲት ዝርከብ ገዛ ፍሉይ ስሙ ሃዳሙ ዝተባህለ ቦታ ገዛ ወ/ልኡል ኣስፍሃ ንኣቶ ምስግና በየነ ሰሪሑ ክጥቀመሉ ንዑኡ ከምዝሃብናዮ እናሓበርና ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይ ድማ

ኣቶ ወልዱ ተስፋልደት መብራህቱ፡ ወለድና ተስፋልደት መብራህቱ ክፍሉን ይሕደጋ ኣርኣያ ወልደጋብርን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 9 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/5/14 ልክዕ ሰዓት 9፡00 ናይ ንግሆ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ቡሁኒና

ወ/ሮ ኣምለሰት ሃይለ ጸጋ በዓል ቤተይ ኣቶ ሽማይ ኣፈወርቂ ስለዝሞተ፡ 1 ወዱ ኣማኑኤል ሽማይ ኣፈወርቂ ወራሲ ምዃኑን ከምኡ’ውን ኣነ ሞግዚት ክረጋገጸለይን ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን1/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ነብሪ

ሓጉሽ ነጋሲ ገብረእግዚኣብሄርን ለቱ ገብረሂወት ተወልደን ብስም ነፍ/ተወልደ ገብረትንሳኤ ተስፋገርግሽ ዝነበረ ናይ ሕርሻ ጀርዲን ናብ ሓጉሽ ነጋሲ ገብረእግዚኣብሄርን ለቱ ገብረሂወት ተወልደን ክቕየረልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዝባንደብሪ

ተስፋጽዮን ሃብቱ ደበሳይ፡ ኣደና ኣበባ ቀሺ ተስፋጽዮን ኣፍለይ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ደንጉሩ

ወ/ሮ ደበዓ ነጋሽ በዓል ቤተይ ኣቶ ሃብቶም ማሓሪ ተጋዳላይ ክ/ሰ 31 ነበር ካብ 2001 ክሳብ ሎሚ ደሃይ ስለዘይብሉ ሕጂ ኣነ ክወልድ ክምርዖ ስለዝደለኹ ክጽውዓለይ እንተዘይቀሪቡ ድማ ሕጋዊ ፍትሕ ክፍጸመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ መንደፈራ

ወ/ሮ ምነት ክፍለ ወልደገብርኤል ምባል ተሪፉ፡ ገነት ክፍለ ወልደገብርኤል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ትሕቲ ዕድመ ቤንሁር ቴድሮስ ተስፋማርያም

ብሕጋዊት ሞግዚቱ ወ/ሮ ምነት ክፍለ ኣቢሉ፡ ቤንሁር ቴድሮስ ተስፋማርያም ምባል ተሪፉ፡ ዳኒኤል ቴድሮስ ተስፋማርያም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ቐይሕ

ዮሴፍ ወልደስላሴ ገብረትንሳኤ፡ ኣቦሓጎና ተኽለማርያም ገብረስላሴ ስለዝሞተ፡ 2 መወቲ ደቁን ኣነ ምስ 14 ተተካእቲ ደቆምን ናይ ኣቦሓጎና ዝነቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ኣፍዓበት

እድሪስ ዓብደላ መሓመድ ምባል ተሪፉ፡ እድሪስ ዓብደላ እድሪስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጊንዳዕ 01,02,03,04

ኣርኣያ ካሕሳይ ገብራይ ወደይ ኣብርሃም ኣርኣያ ካሕሳይ ስለዝተሰወአ ወራሲ ኣነ ኣቡኡ ጥራይ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ከሳሲት ወ/ሮ ሄለን ሃተሚካኤል ኣሰፋው፡ ተኸሳሲ ኣቶ ኪዳነ ከሰተ ቤ/ፍ ዝሃበና ቆጸራታት ሕጊ ኣኽቢሩ ኣብ ቆጸራኡ ስለዘይቀረበ ይጸውዓለይ ስለዝበላ፣ ተኸሳሲ ን28/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ጉዳይ ናብ ቤተ ዘመድ ሽማግለ ከምርሕ ምዃኑ ኣቐዲምና ነፍልጥ።

Page 7: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 7

VACANCY ANNOUNCEMENT

Bisha Mining Share Company PLC is inviting interested applicants for the following position.

Position: - Mine Planning Engineer

Position Overview and Key Responsibilities:

Ø Update production figures for audit and monitoring.Ø Compile hourly, shift, daily, weekly, monthly quarterly and annual production

statistics.Ø Update and maintain mining faces on daily basis, haulage profiles and cycle

time recording when necessary.Ø Supervise and monitor performance, productivity and reporting at the pit and

ROM, take decisions and make recommendation on these productivities and other projects that may be assigned.

Ø Routine inspection of the general pit operation to observe drilling and blasting, loading and hauling , dumping areas, equipment locations, walls, berms, toes and crests, presence of voids, pit dewatering and the general safety conditions for reporting purpose.

Ø Weekly and Monthly Mine Production schedulesØ Mine Designs, Pits, Dumps, Roads, and Embankment.Ø Coordinate all HSE programs pertaining to the section.Ø Plan, lead, oversee and control specific projects as and when required.Ø Assist in any job which in the opinion of the chief Mine Engineer is regarded

necessary for the smooth running of the mining operation.Profile: Qualifications and Experience

Formal Education, Certifications or Equivalents

A recognized university degree in mining Engineering or equivalent

Working Experience – Nature & Length

Minimum of 3 years working experience in a surface mine with extensive mine planning and production exposure

Leadership Experience – Nature & length of time Demonstrate good supervisory and leadership skills

Other skills and abilities Good supervisory skills

General Information and other requirements:• Place of Work: Bisha site.• Salary: As per Company salary scale.• Additional requirement for Nationals:• Havingfulfilledhis/herNationalServiceobligationandprovideevidenceofrelease

paper from Ministry of Defense.• Presentclearancepaperfromcurrent/lastemployer• Testimonialdocumentstobeattached(CV,workexperiencecredentials,acopyof

your National Identity Card etc.).• Only shortlisted applicants would be considered as potential candidates for an

interview.• Applicationdocumentswillnotbereturnedbacktosenderand.• Allapplicationsshouldbesentthroughthepostoffice• Deadlineforapplication:10daysfromthedayofpublicationintheNewspaper.• Address: Please mail your applications to;

Bisha Mining Share Company,P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ክፍሊ ጽሩይ ማይን ረሳሕ ፈሳስን ዞባ ማእከል ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዎ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ኣወዳዲሩ ሰራሕተኛ ክቆጽር ስለዝደለየ ኣመልከትቲ ሰነዳቶም ሒዞም ኣብ ክ/ጽ/ማይን ረሳሕ ፈሳስን ኣ/ፐርሰነል ቁ.13 ክቐርቡ ንሕብር።

1. ውሽጣዊ ኦዲተር ሓላፍነት ---------------------------- ሓላፊ ውሽጣዊ ኦዲትደረጃ ትምህርቲ ------------------- ዲግሪዓይነት ትምህርቲ ------------------ ኣካውንቲንግተመኩሮ ስራሕ ------------------- 4 ዓመት ወይ ልዕሊኡንክእለት ----------------------------- ናይ ኮምፒተር ክእለትዕድመ ------------------------------ ትሕቲ 45 ዓመትብዝሒ ------------------------------ ቁ.1ደሞዝ ------------------------------- ብስኬል መሰረት

2. ሰክረታሪ ደረጃ ትምህርቲ ------------------- ዲፕሎምዓይነት ትምህርቲ ------------------ ሰክረታሪያል ሳይንስ ተመኩሮ ስራሕ ------------------- 2 ዓመት ክእለት ----------------------------- ናይ ኮምፒተር ክእለትዕድመ ------------------------------ ትሕቲ 40 ዓመትብዝሒ ------------------------------ ቁ.1ደሞዝ ------------------------------- ብስኬል መሰረት

3. መራሒ መኪና ዓይነት ስራሕ ------------------ ምምራሕ ዓበይቲ መካይን ደረጃ ምምራሕ መኪና ------------ 4ይ ወይ 5ይተመኩሮ ስራሕ ------------------- 2 ዓመትዕድመ ------------------------------ ትሕቲ 50 ዓመትደሞዝ ------------------------------- ብስኬል መሰረት

4. መራሒ መኪና ዓይነት ስራሕ ------------------ ምምራሕ መካይን ደረጃ ምምራሕ መኪና ------------ 2ይ ወይ 3ይተመኩሮ ስራሕ ------------------- 2 ዓመትዕድመ ------------------------------ ትሕቲ 50 ዓመትደሞዝ ------------------------------- ብስኬል መሰረትኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ግቡኦም ዝፈጸሙ/ዝፈጸመት ወይ ዘይምልከቶ/ታ ኮይኑ/ና መረጋገጺ ሰነድ ከቕርቡ ኣለዎም።

ክ/ጽ/ማይን ረሳሕ ፈሳስን

ምልክታ

ወ/ሮ ጸሃይቱ ኣስፋሃ ኣባይ ብስመን ዝተፈቕደለን ናይ ስነ ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ ንግዳዊ ትካለን ብስም “ጆኒ ስነ ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ” (Johnny Hair Dressing) ዝነበረ ስም ትካለን ናብ “ጆኒ ሱፐር ማርኬት” (Johnny Supermarket) ዝብል ክቕየረለን ስለዝሓተታ፡ ቅድሚ ምምዝጋብና ዝቃወም ኣካል እንተሎ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ሕጋዊ ቤ/ፍ መኣገዲ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ንግዲ ስም ከምንቕይሮ ነፍልጥ።

ጨ/ም/ፍቓድ ንግዲ

Vacancy Announcement

Sichuan Road & Bridge (Group) Corp. Ltd. Invites Qualified Candidates for the following positions for Sembel II housing Project:-

1. Technical Engineer Required: 1

Major Duties and responsibilities • Be technically for the project quality, safety production, labour protection and construction period.• Take charge of organization the profession trade to get familiar with the drawing and summing up various drawing problems; organizing the supervising engineer and design engineer to deal with drawing problems. • During the whole construction process, be responsible for various kinds of professional technique standards; strictly execute technical code for work and acceptance, quality inspection and appraisal standards and concerned provisions. • Be responsible for the technical disclosure and supervision of the sub divisional work of the project.• Take charge of the check and acceptance work of the quantity, specification, type and quality of the construction materials and component parts. • Be in charge of the design of mix proportion work of concrete mortar.Profile: Qualifications and ExperienceEducation: Bachelor degree in civil construction on road and bridge Construction.Work Experience: seven (7) year’s experience in technicianOther skills and abilities: Fluent in both Spoken Chinese and English language, skills and ability to work well with people Physically strong and healthy High level of computerAge: 27-35

Salary: Negotiable

Additional requirement for nationals:- Provide evidence of completion or exemption National Service from Ministry of Defense.- Present clearance paper from current or last employer

Interested candidates are requested to send a letter of application, a current CV, documents and other particulars, work experience credentials and copy of your national identity.

All applications should be sent through post office.

Closing Date: 10 days from the date of this announcement

Address: Sichuan Road & Bridge (Group) Corp. Ltd. P.O. Box 4832 Tel. 120060 Every applicant is required also to send a copy of application to the The state of Eritrea Office National Security Aliens Employment Permit P.O. Box 5252 Asmara, Eritrea

ምልክታንኹሎም ከፈልቲ ግብሪ ዞባ ማእከል

ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ብዛዕባ ንኮምፒተር ዝተሓገዘ ስርዓት ኣተኣኻኽባ ግብርን ቀረጽን ዘተኣታተዎ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ ንኾሎም ከፈልቲ ግብሪ ዞባ ማእከል መብርሂ ክህብ ስለ ዝወሰነ፡ ንረቡዕ ዕለት 16 ሚያዝያ 2014 ኣብ ኣዳራሽ ቻምበር ኦፍ ኮመርስ ንኽትርከቡ ብኣኽብሮት ንሕብር። ኣብዚ ዕለት ተረኺቡ ኣድላዪ ዝኾነ ሓበሬታ ብዘይምውሳድ ንዝስዕብ ጸገም እዚ ክፍሊ ተሓታቲ ከምዘይኸውን ኣቐዲምና ንሕብር።ኩሉኹም ኣብ ደረጃ “ሀ”ን“ለ”ን ዝተመደብኩም ከፈልቲ ግብሪ ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ደረጃ “ሐ” ዝተመደብኩም ድማ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክትርከቡ ብኣኽብሮት ንዕድም።

ሚኒስትሪ ፋይናንስክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር

Page 8: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 8

ሃብቶም ጸጋይሃብቶም ጸጋይ

ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ኣፍሪቃውያን መበቆላውነት ዘለዎም ቋንቋታት ሓደ ኢዩ፡ ናይ ባንቱ ቋንቋ ተባሂሉ ድማ ይግለጽ። ቋንቋ ስዋሂሊ ኣዝዮም ብርክት ብዝበሉ

ዝተፈላለዩ ሕ/ሰባት ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝዝረብን ናይ ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት “ቋንቋ ኣደ” ዝኾነን ኢዩ። ብሓፈሻኡ ካብ 140 ሚልዮን ኣህዛብ ዝዛይዱ ኣፍሪቃውያን ተዛረብቲ ናይዚ ቋንቋ ምዃኖም ይግለጽ።መበቆላውነት ፊደል ቋንቋ ስዋሂሊ

ብዓረብ ዝጸሓፍ ኢዩ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ብመንገዲ ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝመላለሱ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ተጸልዩ ብቛንቋ ላቲን ክጸሓፍ ጀሚሩ። ክሳብ ሎሚ እውን ፊደላት ስዋሂሊ ላቲን ኢዮም። ቃላት ስዋሂሊ ድምር ብርክት ዝበሉ ቃላት ናይ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኢዩ። ምስ ጥንታዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣዕራብ ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብምትእስሳር ገለ ቃላት ስዋሂሊ ካብ ዓረብ ዝተወርሱ ክኾኑ ከለው። ምስ ባዕዳዊ መግዛእትን ምስ ሃይማኖታዊ ምስፍሕፋሕን ተዛሚዱ ድማ ገለ ቃላት እቲ ቋንቋ ቃላት ናይ ቋንቋታት እንግሊዝ። ህንዲ። ጀርመን። ፖርቱጋል ከምኡ እውን ቋንቋ ፈረንሳ ዝሓዘለ ኢዩ።ኪ-ስዋሂሊ ሓደ ካብ ቃላት ቋንቋ

ስዋሂሊ ኮይኑ ወግዓዊ መጸውዒ እቲ ቋንቋ ድማ ኢዩ። እዚ ቃል ካብ ስዋሂል ዝብል ናይ ዓረብ ቃል ዝተወስደ ኮይኑ (ስዋሂል ብዙሕነት ናይ ሳሕል ማለት ኮይኑ)። ትርጉሙ ድማ ገማግም ባሕሪ ማለት ኢዩ። ኪ- ስዋሂሊ ክትርጎም እንከሎ “ቋንቋ ናይ ገማግም ባሕሪ” ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ብልምዲ ቋንቋ ናይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከቡ ከባቢታት ኣፍሪቃ ከምዝኾነ ዝግለጽ ስዋሂሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኬንያን ታንዛንያን ዝጀመረ ከምዝኾነ ይጥቀስ። ፈለማ ብደቀባት ተቐመጥቲ እዘን ከባቢታት ክዝረብን፡ ቀጺሉ ድማ ከም መረዳድኢ ናይቶም ኣብዘን ገማግም ባሕሪ ኣብ ምግፋፍ ዓሳታት ዝተጸምዱ ኣህዛብ ኮይኑ ከገልግልን ጀሚሩ። ኣብዘን ከባቢታት ዝካየድ ዝነበረ ጽዑቕ ንግዳዊ ንጥፈታት ምስ ኣዕራብ ናይ ቋንቋ ስዋሂሊ ቁጽሪ ተዛረብቲ ክውስኹን መዝገበ ቃላቱ ክስስኑን ተራእዩ። እቲ ዝንበረ ናህሪ ዝርጋሐ ቋንቋ ስዋሂሊ ምስቲ ድሒሩ ዝተራእየ መግዛእታዊ ምቕልቃላት ነክዩን ጸኒሑ ድማ ብኻልእ መልክዑ ክቕይርን ጀሚሩ። ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ተኣሳሲሩ መሰረት ጽሑፍ እቲ ቋንቋ ካብ ቋንቋ ዓረብ ናብ ቋንቋ ላቲን ክቕየርን ከምቲ

መብዛሕትኡ እዋናት ቀይሕ ሕብሪ ከም መሐበሪ ሓደጋ ኮይኑ ከም ምልክት መጠንቀቕታ ክውስድ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ቀያሕቲ ናይ ትራፊክ መብራህትታት ኣብ ጎደናታት ተተኺለን ተሸከርከርቲ ደው ንኽብላ ትእዛዝ የመሓላልፋ። ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እውን ዳኛ ከቢድ በደል ንዝፈጸመ ተጻዋታይ ካብ ጸወታ ወጻኢ ከምዝኾነን ካብ ሜዳ ጸወታ ንኽወጽእን ቀይሕ ካርድ የርእዩ። በዚ መንጽር ድማ ትርጉም ቀይሕ ሕብሪ ከም መግትዒ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ከምዝኾነ የረድእ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝተወሰደ መጽናዕቲ ድማ ቀይሕ ሕብሪ ብዙሕ መግቢ ካብ ምብላዕ ከምዝዓግት ተገሊጹ።

ሕልሚ ኣብ ግዜ ድቃስ ዝኽሰት ሓደ ካብ ኣእሞሮኣዊ ንጥፈታት ኢዩ። ሕልሚ ዝኽሰተሉ እዋናት ኣብ ስጡም ናይ ድቃስ እዋን ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜያት ድማ ካብ 5 ክሳብ 20 ደቓይቕ ዝኾነ መጠን ግዜ ይውስድ። ዝበዝሐ እዋናት ሕልሚ ምስ ደቂሰባት ጥራይ እኳ ዝተእሳሰር እንተኾነ ካ ል ኦ ት እንስሳታት እውን ናይ ሕልሚ ተ መ ኩ ሮ ክህልዎም

ከምዝኽእል ይግለጽ። ከም ድሙ። ከልቢ ከምኡ ድማ ህበይ ዝኣመሰሉ መጥበውቲ 1. ክልሰ ሓሳብ ተዛማድነት

ብኣልበርት ኣንስታይን2. ርኽበት ኤለክትሪክ ብማይክል

ፋራዳይ3. ርኽበት መዋቕር (structure)

ዲ.ኤን.ኤ ብጄምስ ዋትሶንን ፍራንሲስ ክሪክን4. ርኽበት ፐንሲሊን

ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ቃላት ናይ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ቋንቋታት ክወርስን በቒዑ።ኣብዚ እዋን እዚ ቋንቋ ስዋሂሊ ኣብተን

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዘለወን ትሕዝቶ

ቀላይ ምስ ቀዳሞት ዝስርዓ ሃገራት ኬንያ። ታንዛንያን ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ከም ወግዓዊ ቋንቋ እተን ሃገራት ኮይኑ የገልግል። ኣብ ሃገረ ዩጋንዳ ቋንቋ ስዋሂሊ ኣብ 1992 ኣብ ኩለን መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ኮይኑ ተማሃሮ ብነኣሽቱኦም ክመሃሩ ዝወጸ መምርሒ ብዙሕ ውጽኢት ከይተረኽቦ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 2005 ቋንቋ ስዋሂሊ ሓደ ካብቶም ወግዓውያን ቋንቋታት እታ ሃገር ክኸውን ተወሲኑ። ብተወሳኺ ኣብ ብሩንዲ። ሩዋንዳ። ኮሞሮስ። ማላዊ ከምኡ ድማ ሞዛምቢክን ሰሜናዊ ክፋል ዛምብያን ብኸፊል ይዝረብ።ቋንቋ ስዋሂሊ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን

ቋንቋታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ኢዩ። በዚ ቋንቋ ዝተጻሕፉ ቀዳሞትን ጥንታውያንን ጽሑፋት ኣብ ዝተፈላለዩ ቤተ መዘከራት ይርከቡ። ሓደ ካብቶም ጥንታውያን

ምዃኖም ዝግለጸሎም ብቛንቋ ስዋሂሊ ዝተጻሕፉ ሰነዳት ኣብ 1711 ኣብ ኪልዋ ብዓረብ ዝተጻሕፉ ደብዳበታት ኢዮም። እዞም ደብዳቤታት ድማ ሎሚ ኣብቲ ኣብ ህንዲ ከተማ ጎዋ ዝርከብ ማእከል ታሪኻዊ ስነዳ ጎዋ ተዓቂቦም ይርከቡ። ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ተፈላጥነት ዘለዎ ቋንቋ ስዋሂሊ ኣብ ብርከት ዝበላ ናይ ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ። ቢቢሲ ናይ ሬዲዮ ፕሮግራም፡ ናይ ድምጺ ኣመሪካ (VOA) ኣገልግሎት። ናይ ሩስያ ኣህጉራዊ ናይ ሬድዮ መደበር ገለ ካብተን መደባተን በዚ ቋንቋ ዘመሓላልፋ ብርክት ዝበላ ትካላት ኢየን።

ቋንቋ ስዋሂሊ

ኣብ ጆርናል ኣፐታይት ኣብ ዝተዘርግሐ መጻናዕታዊ ጽሑፍ ከምዝሕብሮ። ሰባት መግቢ ብቐይሕ ሕብሩ ብያቲ ኣብ ዝቕረበሎም እዋን ብዙሕ መግቢ ናይ ምህላኽ ልምዲ ከምዘይብሎም ዝገልጽ ኢዩ። እቲ ጽሑፍ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝተወስደ መጽናዕቲ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ቀይሕ ብያቲን ኣብ ካልኦት ሕብርታት ዘለዎም ብያትታትን መግቢ ድሕሪ ምቕራብ። ኣብ ቀይሕ ዝሕብሩ ብያቲ ዝቕረቡ መግብታት ትሕቲ እቶም ኣብ ካልኦት ዝሕብሮም ብያትታት ዝቐርቡ ተመሳሰልቲ መግብታት ከምዝሃልኩ ኣረዲኡ።

ቀይሕ - ሃልኪ መግቢ ዝዓግት ሕብሪ

እንስሳታት ይሓልሙ ዶ?

እንስሳታት ልክዕ ከም ደቂ ሰባት እቲ ሕልሚ ዝኽሰተሉ ብ D- sleep ዝፍለጥ ናይ ድቃስ እዋን

የ ስ ተ ማ ቕ ሩ ብምዃኖም ሕልሚ

ናይ ምሕላም ዕድል እውን ከምዘለዎም ይሕበር። ብፍላይ

ኣህባይ ናብ ደቂ ሰብ ዝቐረበ ስርዓተ ኣእምሮ ዝውንኑ

ብምዃኖም ካብ ሰባት ቀጺሎም ክሓልሙ ዝኽእሉ እንሳታት ከምዝኾኑ ይግመት። ብኣሌክሳንደር ፍለሚንግ

5. ርኽበት ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ብሉክ ምንታኜርን ሮበርት ጋሎን

ዓለምና ዝቐየሩ ክልሰ ሓሳባት

ምህዞ ፋራዳይ

Page 9: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓደ ምሁርን ገፋፊ ዓሳን...

ሓዳስ ኤርትራ

ሸባብ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 9

ጸሓይ፡ እታ ሰባት ዝያዳ ካልእ ሰማያዊ ኣካላት ዝርእይዋን ዝተላለይዋን ንመሬት ዝቐረበት ኮኾብ እያ። ገምጋማዊ ርሕቀት ወርሒ ምስ ካብ መሬት ንጸሓይ ዘሎ ርሕቀት፡ ማለት 150 ሚልዮን ኪ.ሜ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ሓጺር ርሕቀት’ዩ። ምናልባት እዚ ናይ ጸሓይ ርሕቀት ዓቢ’ዩ ኢልና ንግረም እንተለና ድማ፡ ምስ ርሕቀት ናይ’ታ ንዓና ዝቐረበት ካልእ ኮኾብ ክወዳደር እንከሎ መጠኑ እምብዛ ንእሽቶ’ዩ።

ርሕቀት ሰማያውያን ኣካላት ኣብ ኣድማስ ክንዕቅን እንከለና፡ እዞም ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንጥቀመሎም መዐቀኒታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዓበይቲ ቁጽርታት ስለዝዀኑ ዝተፈልየ ኣገባብ ኣተዓቓቕና ክንጥቀም ግድን ይዀነና። ስለ’ዚ ድማ ክኢላታት ስነ-ከዋኽብትን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ‘ብርሃን-ዓመት’ (light-year) ዝበሃል መዐቀኒ ይጥቀሙ። ብርሃን ኣብ ሓደ ካልኢት ብቐረባ ገምጋም 300,000 ኪሜ ይጓዓዝ። ኣብ ሓደ ደቒቕ ዝጓዕዞ ንኽንፈልጥ ድማ፡ ነዚ ርሕቀት ብ60 (ሱሳ) ነርብሖ። ኣብ ሰዓት ዝጓዓዞ ክንፈልጥ ምስ እንደሊ ድማ እንደገና ብ60 (ሱሳ) ነርብሖ። ኣብ ሓደ መዓልቲ ክጓዓዞ ዝኽእል መጠን ርሕቀት ንኽንፈልጥ ድማ ብ 24 ነርብሖ። ሓደ ብርሃን-ዓመት ክንብል እንከለና ድማ፡ እቲ ዝረኸብናዮ ብ 360 ኣርቢሕና እንረኽቦ ዓቐን ንውሓት እዩ።

ሓደ ብርሃን-ዓመት እምበኣር፥ (300,000*60*60*24*360) ኪሜ = 93,312 ኣስታት ሚእቲ ሚልዮን ኪሜ ይኸውን። ናብ ዝወሓደ ቁጽሪ ድሕሪ ኣጸጊዕናዮ ልዕሊ 9,000

ቢልዮን ኪሜ ማለት እዩ!

ብፍጥነት ብርሃን እንተተጓዒዝና፥ ንወርሒ ክንበጽሕ ዳርጋ ሓደ ካልኢትን ፈረቓን፡ ንጸሓይ ድማ ከባቢ ሸሞንተ ደቒቕን ፈረቓን ዝኸውን ግዜ ይወስደልና።

እስከ ርሕቀት ናይ ገለ ገለ ከዋኽብቲ በዚ መለክዒ’ዚ ንርኢ። ኣብ ኣድማስ፡ ካብ ከዋኽብቲ እቲ ንመሬት ዝቐረበ ክርአ ዝኽእል ኮኾብ፡ ‘ኣልፋ ሰንቹዋሪ’ (Alpha Centuari) ይበሃል። እዚ ኮኾብ’ዚ፡ ካብ መሬት 4.5 ብርሃን-ዓመት ርሒቑ ይርከብ። እዚ ማለት ብፍጥነት ብርሃን እናተጓዓዝና ናብ’ዛ ኮኾብ ክንበጽሕ 4.5 ዓመታት ይወስደልና ማለት እዩ።

ንምርድኡ ክቐለና ምእንቲ፡ ካልእ መነጻጸሪ መጠን ካርታ (Scale) ንጠቐም። ኣብ ባይታ ናይ ሓደ ጎልጎል ሓንቲ ፍረ እኽሊ ማሸላ እንተኣቐሚጥና፡ ነታ እኽሊ ድማ ከም ዓለም እንተሓሰብናያ፥ ጸሓይ ድማ ክንዲ ሓደ ሕጡብ ስሚንቶ ኮይና ኣስታት 1 ሜትሮ፡ ኣልፋ ሰንችዋሪ ድማ ኣስታት 30 ሜትሮ ርሒቐን ተቐሚጠን ይረኣያ! ኩላተን ኣብ ናትና ስርዓተ ዙርያ ጸሓይ ዝርከባ ፕላኔታት ድማ ኣብ ውሽጢ’ዚ ናይ 30 ሜትሮ ሰንጣቒት ይርከባ። ካብ’ዚ ሰንጣቒት’ዚ ወጻኢ፡ ማለት ካብ ስርዓተ ጸሓይና ወጻኢ እታ ዝቐረበት ኮኾብ፡ ካብ’ታ ፍረ ማሸላ ኣስታት 240ኪሜ ርሒቓ ትርአ። እታ መወከሲት ፍረ እኽሊ፡ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ኣቐሚጥናያ እንተለና፡ እታ ዝቐረበት ኮኾብ ኣብ ባረንቱ ትርከብ ኣላ ማለት እዩ።

እታ ዝረሓቐት ብዓይኒ ክንርእያ እንኽእል ኮኾብ 1.5 ሚልዮን ብርሃን-

ዓመት ርሒቓ ትርከብ። ኲንኣ ድማ፡ ክሳብ 6500 ሚልዮን ብርሃን-ዓመት ርሕቀት ዘለወን ከዋኽብቲ ኣለዋ።

ምናልባት፡ ካብ ርሕቀት ዝተላዕለ ከዋኽብቲ ብማዕዶ ክንርእየን እንከለና ደቀቕቲ መሲለን ይረኣያና ይኾና። መሬት ድማ ዓባይ ትመስል። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ እዩ። ጸሓይ ብነብሳ፡ ከም ባዶ ቦታ እንተሓሰብናያ 1 ሚልዮን ክንዲ ዕብየት መሬት ዘለወን ፕላኔታት ክትክዝን ትኽእል። ጸሓይ ድማ ምስ ካልኦት ከዋኽብቲ ክትወዳደር እንከላ፡ ንእሽቶ እያ። ሓንቲ ካብተን ዝቐረባ ከዋኽብቲ፡ በተለጉስ (Betelgeuse) እትበሃል ካብ መሬት ናይ ኣስታት 520 ብርሃን-ዓመት ርሒቓ እትርከብ፡ ናይ 500 ሚልዮን ኪሜ ሰንጣቒት ኣለዋ። እዚ ድማ፡ ባዶ ስፍራ እንተትኸውን ንጸሓይ ምስ መሬት እናዞረታ እንከላ ከተስፍራ ምኸኣለት።

ሕጂ ብዝሒ ከዋኽብቲ ንርአ። ዓለምና እትርከበሉ ስርዓተ ጸሓይ፡

ብጸሓይ ዝምእከል ብዙሓት ፕላኔታትን ካልኦት ሰመያውያን ኣካላትን ዝርከብሉ ስርዓት እዩ። ናትና ስርዓተ ጸሓይ ድማ፡ ክፋል ናይ ሓደ እኽብካብ ስርዓተ ጸሓያት ዝኾነ ጋላክሲ፡ ‘ሚልኪ ወይ ጋላክሲ’(milky way galaxy) እዩ። ተመራመርቲ ስነከዋኽብቲ ብዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ’ዚ ናትና ጋላክሲ 100,000 ሚልዮን ከዋኽብቲ ከምዘለዋ ይግምቱ። ብዘይካ እዚ ናትና ጋላክሲ ድማ፡ ካልእ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ጋላክሲታት ከምዘሎ ክኢላታት ይግምግሙ!

እዚ ብተሌስኮፕ ክርአ ተኻኢሉ፡ ተቐሚሩ ዘሎ ጥራሕ’ዩ። ካልእ ብዙሕ ክህሉ ከምዝኽእል ጥርጥር የልቦን።

እዚ ስፍሓት’ዚ ክንቀርጾ ንኽእል ዶ? ክንደይ ይሰፍሕ እዩ ኣድማስ?

ክንደይ ይደቅቕ እየ ኣነ? ወረ ኣነ ነዚ ክንድ’ዚ ዝስፍሓቱ ኣድማስ እንታይ ማለት’የ? ብዛዕባ’ዘን ሕቶታት ንነዊሕ ብትኹረት ምስ ሓሰብኩ፡ ብሃንደበት ሓደ ነገር ኣብ ኣእምሮይ በለጭ ኢሉኒ። ኣነ ክፋል ኣድማስ እየ፥ ኣድማስ ኣካል ናተይ እዩ። ሓደ ዋህዮ፡ ናይ ሓደ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ደቂቕ ግን ከኣ ክፋል ናይ ምሉእ ኣካሉ እዩ። ምስ ካልኦት ዋህዮታት ተጸንቢሩ፡ ቲሹ፡

ሓሳባት

ካብኡ ኣካላት፡ ስርዓታት ምሉእ ሰብ ይቐውም።

ልክዕ ብኸምኡ ተመሳሳልነት፡ ኣነ ሓደ ክፋል ናይ ሓደ ዓቢ ኣድማስ እየ።

እቲ ኣነ ክፋሉ ዝኾንኩ ኣድማስ ግን እንታይ እዩ? ናተይ ኣገዳስነት ኣብ ኣድማስከ እንታይ እዩ?

ዝበዛሕና ተራ ሰባት፥ ኣብ ናብራና፡ ኣብ ዕለታዊ ጉዳያትና፡ ኣብ ስራሕና፡ ኣብ ትምህርትና ተጸሚድና ስለእንውዕል ብዛዕባ እዞም ሕቶታት እንሓስበሉ ግዜ ዉሑድ’ዩ። እንተሎ’ውን ንኣዝዩ ሓጺር ግዜ ከም ሓውሲ ምግራም ቅልቅል ኢሉ ዝጠፍኣና እዩ። ብዛዕባ ኮስሞሎጂካዊ ዝኾነ ኣንነትናን ትርጉም ህላወናን ኣዕሙቕ ኣቢልና ክንሓስብ እንከለና ግን ንሕና ኣዚና ዝተሓላላኽና ምስጢር ምዃንና በርሃው ኢሉ ክረኣየና እዩ። እቲ ዝገርም ኣፈጣጥራ ኣብ ኣድማስ ጥራሕ ኣይኮነን። እንተላይ ነብስና ኣዝያ እተገርም ፍጥረት እያ። መጀመርታ’ውን ብዛዕባ ነብስና ክንሓትትን ክንመራመርን ይቐለና።

ሸሊሕ ወዲ ምቾት

ኣብ ሰዓታት ንጉሆ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ’ዩ። ሓደ ምሁር ስነ-ቑጠባ ኣብ’ቲ ገማግም ኣሳፊሑ፣ ነቲ ዝገማጠል ማዕበል ባሕሪ እናተዓዘበን ብድምጹ እናተነቓቕሐን ይዘናጋዕ ነበረ። ብወዝቢ ድማ፣ ነቲ ካብ ዝነበሮ ስፍራ ርሕቕ ኢሉ ዝነበረ ገፋፊ ዓሳ፣ ሓደ ዓቢ ዓሳ ካብ ባሕሪ ስሒቡ ከውጽእ ይርእዮ። ተመሲጡ። ቀሪቡ ከዘራርቦ ስለዝሓሰበ ድማ ይቐርቦ። ሰላምታ ይለዋወጡ፣ የዛርቦ ድማ።

‘ነዚ ዓሳ ገፊፍካ ክተውጽእ ክንደይ ግዜ ተጸቢኻ?’ ሓተቶ። እቲ ምቕሉል ገፋፊ ዓሳ

‘ነዊሕ ኣይተጸበኹን። ምናልባት ዓሰርተ ደቒቕ!’ እናበለ ንብረቱ ጠራኒፉ ክሓልፎ በለ።

‘ፍቓደኛ እንተኴንካ ንቑሩብ ግዜ ከዛርበካ?’ እቲ ምሁር ቀጸለ። እቲ ገፋፊ ዓሳ ከይተማትአ ተሰማምዐ። ተሰኪምዎ ንዝጸንሐ ንብረትን ዓሳን ኣቐሚጡ ድማ፣ ንዕላል ድሉው ኮነ።

‘ገና ንግሆ’ዩ ዘሎ። ቅሩብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ተጸቢኻ፣ ብርክት ዝበሉ ዓሳታት ሒዝካ እንተትኸይድ ኣይምሓሸካን?’ ተገሪሙ ሓተተ ክኢላ ስነ ቑጠባ።

‘ኣይይ! ደሓን . . . እዚ ገፊፈዮ ዘለኹ ዓሳ ንስድራና ምሉእ ንምሳሕ ዝኸውን ኣኺሉስ፣ ተረፍ ከብድና’ውን ሼጥና ኣስቤዛና ክንሽፍን የኽእለና’ዩ።’ እቲ ገፋፊ ዓሳ፣ ምቕሉልነቱ ኣዛይዱ

ብህድኣት መለሰ።

‘እዋእ! ምሉእ መዓልቲኸ እንታይ ክትገብር ክትውዕል?’

‘ንጉሆ ብሽዓ’የ ካብ ድቃስ ዝበራበር። ናብ ባሕሪ ወፊረ ድማ፣ ገለ ዓሳታት ይኣራሪ። ድሕሪኡ ንገዛ ተመሊሰ፣ በዓልቲ ቤተይ ምሳሕና እናዳለወት ምስ ደቀይ ይጻወት። ድሕሪ ምሳሕ፣ ምስ በዓልቲ ቤተይ ሓቢርና ቀም ነብል። ድሕሪ ቀትሪ ይኸውን። ካብ ድቃስ ተበራቢርና ቡን ንሰቲ። ጸሓይ ጠለሰ ምስ በለት ድማ፣ ንከተማ ይኣቱ። ምስ ኣዕሩኽተይ ሓደ ክልተ እናበልና፣ እናሰሓቕና፣ እናተጻወትና ነማሲ። ቢላርዶ ይጻወት። ኣማስይኡ ንገዛ ይምለስ። ንስድራይ ናይ ድራር ዛንታታት እናዋጋዕክዎም ንድረር። ድሕሪኡ ምስ ሰበይተይ ተሓቛቚፍና ኣብ ምውቕቲ ዓራትና።’

እቲ ምሁር ስነ ቑጠባ፣ ርእሱ ንነዊሕ ድሕሪ ምንቕናቕ ክመኽሮ በለ።

‘ኣነ ብስነ-ቑጠባ’የ ተመሪቐ። ኣብ ስራሕካ፣ ካብ’ዚ ዘለኻዮ ኣዝዩ ብዝዛየደ ዕዉት ንኽትከውን ዝሕግዝ ገለ ሓሳብ ክህበካ።’

‘ግርም!’

‘ካብ ሎሚ ንኔው፣ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክሳብ የዐርዩ ዝቐትር ክትገፍፍ ፈትን። ክትገፎም ክሳብ ዝኸኣልካ ብዝሒ ዓሳታት ኣክብ። ንዕዳጋ ትወስዶ። ድሕሪ ግዜ፣ ገንዘብ ኣኪብካ ሓንቲ

ጃልባ ትገዝእ። በታ ጃልባ ተጠቂምካ ዝበዝሑ ዓሳታት ትገፍፍ። ቀስ ብቐስ ጀላቡ እናወሰኽካ ትኸይድ። ብገንዘብን ናይ ስራሕ ዓቕምን ክትስጉም ኢኻ። ድሕሪኡ ሓንቲ ናትካ ንእሽቶ ካምፓኒ ትምስርት። ቀስ ኢልካ’ውን ዓሺግካ ናይ ምሻጥ መደባት ተተኣታቱ። ድሕሪኡ ካብ’ዚ ናብ ወጻኢ ሃገር እናሸቀጥካ፣ ዓለምለኻዊ ቢዝነስማን ትኸውን።’

‘ድሕሪኡ’ኸ?’ ሓተተ፣ ገፋፊ ዓሳ።

እቲ ምሁር ተወናዊኑንን ብቓና ባህታን፣ ‘ገንዘብ ክትውንን ኢኻ። ገንዘብ ድማ ሓይሊ’ዩ። ከም ንጉስ ክትነብር ትጅምር። ሰባት ክፈትዉኻ፣ ከኽብሩኻ’ዮም።’

‘ድሕሪኡ ኸ?’

‘ድሕሪኡ ካብ ስራሕ ተዕርፍ። ኣብ’ዚ ገምገም ባሕሪ ንእሽቶ ቪላ ሰሪሕካ እናተቐመጥካ፣ ከም መዘናግዒን መሕለፊ ግዜን ድማ ንጉሆ ተንሲእካ፣ ኣብ’ዚ ገማግም ባሕሪ ትወፍር። ገለ ዓሳታት ሒዝካ ንገዛኻ ትምለስ። ምስ በዓልቲ ቤትካን ደቅኻን ክትዘናጋዕ ትውዕል። ዝመጽኡኻ ኣጋይሽ ትቕበልን ተዕልልን።’

እቲ ገፋፊ ዓሳ ክምስ በለ። መንገዱ ቅድሚ ምቕጻሉ ድማ ‘እዚ ደኣ እቲ ዝነብሮ ዘለኹዶ ኣይኮነን?’ ክብል ኣድመጸ።

ካብ ጽሑፋት ፓውሎ ኮልዮ

ዝተራዕመ

ዛንታ

ኣነን ኣድማስን ኣነ - ንእሽቶ ነጥቢ ኣብ’ቲ ዓቢ ኣድማስ

Page 10: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 10

ዓንዶም ጸጋይ

ኣብ ከተማ መይንዝ ፡ጀርመን ዝርከቡ ስድራ ንወዶም ‘ ዊኪሊክስ’ ክብሉ ሰይሞም። ጋዜጠኛ ሃጃር ሃማላው ኣቦ’ቲ ህጻን ኮይኑ ንውላዱ ብስም’ቲ ንሕማቕ ተግባራት ሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ ንኣሜሪካ ድማ ብፍላይ ዘቃልዑ ሓበሬታት ዘልሓዀ መርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ ክስይሞ ምውሳኑ ንብዙሓት ዘገረመ’ዩ። እንተኾነ እቲ ኣብ ወራር ዒራቕ ከም ጋዜጠኛን ሰኣሊን ብምዃን ናብ ዒራቕ ዝተጎዓዘ ወላዲ ሃማላው ወዱ ዊኪሊክስ ክበሃል ኣዝዩ ከምዝደሊ ገሊጹ። ንሱ፡ ‘ ዊኪሊኪስ ተራ ስም ኣይኮነን፡ ንዓለም ዝቐየረ

ዊኪሊክስ ዝስሙ ህጻን

ወዲ 31 ዓመት ቻይናዊ ሓረስታይ ሰለስተ ቶን እትምዘን ታንኪ ብምስርሑ ኣቓልቦ ረኺቡ። እዚ ጂያንግ ሊን ዝተባህለ ሓረስታይ ኣቐዲሙ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ቻይና ዝነበረ ኮይኑ፡ ባዕሉ ንዝሰንዓ ታንኪ ሒዙ ኣብቲ ዝቕመጠሉ ከባቢ ሲቹዋን ከንቀሳቕሳ ክኢሉ’ዩ። እዛ ልዕሊ ሰለስተ ቶን እትምዘን ታንኪ፡ 2 ሜትሮ ቁመት፡ 5 ሜትሮ ንውሓትን ዘለዋ ኮይና፡ ንምስርሓ ድማ ኣስታት 6 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዝወድአት ጂያን ሊን ይገልጽ።

ታንኪ ዝሰነዐ ቻይናዊ ሓረስታይ

ሓይሊ ዘለዎ ስም ‘ዩ’ ክብል ይገልጽ። ስድራ ሃማላው ዋላ’ኳ ወዶም ዊኪሊክስ ተባሂሉ ክጽዋዕ እንተደለዩ፡ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር መይንዝ ግን ፍቓድ ክህቦም ኣይከኣለን ዘሎ። ከም መግለጺ እቲ ምምሕዳር ዝኾነ ወላዲ ንደቁ ስም ናይ ዝተፈላለያ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝኾና ትካላት ከውጽእ ዝፍቀድ ኣይኮነን። በዚ መንጽር’ዚ ድማ ‘ዊኪሊክስ’ ከም ትካል ዝሕሰብ ብምዃኑ ከም ስም ተወሲዱ ክምዝገብ ከምዘይክእል ምምሕዳር መይንዝ ይገልጽ። እንተ ስድራ ሃማልው ግን ንወዶም ዊኪሊክስ ክብሉ ከምዝሰየሙ ብሓደ ድምጺ ይሕብሩ።

ኣብ ዓለምና ንዝተፈላለየ ክብሪ ዝገልጹ ዝተፈላለዩ በዓላት ይኽበሩ’ዮም። ብዘይካ ሃይማኖታውያንን ሃገራውያንን በዓላት ንኹሉ ኣሕዛብ ዓለም ዘሳትፉ ካልኦት በዓላት ውን ይበዓሉ’ዮም። ከም መዓልቲ ሓርበኛታት፡ መዓልቲ መሬት፡ መዓልቲ ኣቦታት፡ መዓልቲ ኣደታት ከምኡ’ውን መዓልቲ ፍቑራት

ዓለማዊ መዓልቲ ኣሕዋት

ገለ ካብቶም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዝኽበሩ በዓላት’ዮም። ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ሚያዝያ 10፡ ‘ መዓልቲ ኣሕዋት’ ተባሂላ ክትበዓል ተወሲኑ። መዓልቲ ኣሕዋት፡ ኣሕዋት ፍቕሮምን ሓልዮቶምን ዝገላለጹሉን ዝመሳገኑሉ ዕለት ኮይኑ፡ ቅድሚ ሓደ ሽሕ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝኽበር ዕለት’ዩ። ይኹን እምበር ወግዓዊ ኽኸውን ዝኸኣለ ግን ኣብ ቀረባ ግዜያት‘ዩ። ሚያዝያ 10 መዓልቲ

ኣሕዋት ክትከውን ዝተመርጸትሉ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ ክላውድያ ኢቫራት ዝተባህለት ውልቀሰብ ኮይኑ ንሳ ኣብቲ ዕለት ንኽልተ ኣዝያ ተፍቅረን ኣሓታ ብሞት ክትስእነን ድሕሪ ምኽኣላ’ዩ።መዓልቲ ኣሕዋት፡ ዝተፈላለየ ጾታ

ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓደ ኣኽብሮቶምን ፍቕሮምን ዝገላለጹሉ ንሓድሕዶም ክብሪ ዝለጋገሱሉን ዕለት ኽኸውን ድማ ወዳቢት ናይቲ ዕለት ክላውዲያ ትመክር።

ኣብ ኮሎራዶ - ኣመሪካ ዝርከብ ብ’ቅርጻዊ እምኒ ኣሜሪካ ‘ ዝፍለጥ

ምስጢራዊ ሓወልቲ ‘እምኒ ኣመሪካ’ሓወልቲ እዩ። ኣብ 1979 ኣብ ጫፍ ኮሎራዶ ኣብ ዝርከብ በሪኽ ቦታ

ኢልበርት ዝተደኮነ ቅርጻዊ ሓወልቲ እምኒ መዓስን ብመንን ከምዝተሃንጸ ዝፍለጥ ታሪኽ የለን። ሓወልቲ እምኒ ኣመሪካ ክልተ ዓበይቲ ኣእማን ዝተደኮኑ ኮይኑ፡ ኣብ ነብሱ ወከፍ እምኒ ድማ ብሸሞንተ ዝተፈላለዩ ቋንቛታት ጽሑፍ ዝሓዘ’ዩ። ኣብዚ ብቛንቛታት ስፓኒሽ፡ ስዋሂሊ፡ ህንዲ፡ ሄብሪው፡ ዓረብ፡ ራሻ፡ ቻይናን እንግሊዝን ዝተጻሕፈ ጥንታዊ ጽሑፍ ንዓሰርተ ትእዛዛት ዘመነ ዕድመ ምኽንያትን ክውንነትን ዝውክል’ዩ። ዘመን ‘ዕድመ ክውንነት’ ኣብ መንጎ 17ን 18ን ክፍለ ዘመን ዝነበረ እዋን ኮይኑ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝለዓለ ናይ ምርምርን ምህዞን ኩነት ዝረኣየሉ እዋን ብምንባሩ ዝኾነ ነገር ክውንነቱ ከየረጋገጽካ ዘይእመነሉ ዝነበረ እዋን ዝውክል ግዜ’ዩ።ሓወልቲ እምኒ ኣሜሪካ፡ ዝሓዘሎ

ጽሑፍ (ጥንታውያን ትእዛዛት) ዝኾነ ሰብ ከንብቦ ዝኽእል እኳ እንተኾነ እቲ ኣብቲ ቅርጺ ሰፊሩ ዘሎ ሕግታት ምስዚ ዘመን ዘይሳነን ኣዝዩ ዘገረምን ከምዝኾነ’ዩ ዝንገር። ንበረኽቲ ቦታታት ኢበርት፡ ኮሎራዶ ድምቀተን ምንጪ መስሕብ ቱሪስትን ዝኾነ ሓወልቲ እምኒ ኣሜሪካ ዋላ’ኳ ብትርእይቱ ዓቢን ጥንታውን ታሪኽ ከምዝኾነ ይፈለጥ፡ መዓስ ብኸመይን ከምዝተሃንጸ ዝሕብሩ ሓቅታት ዘይምህላዎም ግን ሓደ ካብ ዓለምና ክትፈትሖም ዘይከኣለት ምስጢር ኮይኑ ይርከብ።

Ø እቲ ዝበለጸ ዓይነት ዓርኪ ምሳኻ ኮፍ ኢሉ ወላ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ፡ ኣዝዩ ሕጉስ ዝኾነ ዝርርብ ከም ዘካየደ ኣሚኑ ዝኸይድ ሰብ’ዩ።Ø ዘለናዮ ክሳብ ንስእኖ

ኣይንርድኦን ኢና ብተመሳሳሊ ድማ ዝሰኣናዮ ክሳብ ዝመጸና ኣይንፈልጦን ኢና።Ø ንሓደ ሰብ ክትፈትዎ ሰዓታት፡

ከተፍቅሮ መዓልታት፡ ክትርስዖ ግና ናይ ሂወት ዘመንካ ይሓትት።Ø ክትሓልሞ ትደሊ ሕለም፡

ክተበጽሖ ናብ እትደልዮ ቦታ ብጻሕ፡ ክትኮኖ እትደልዮ ኩን፡ ምኽንያቱ ዘላትካ ሂወት ሓንቲ ስለዝኾነት።Ø እቶም ሕጉሳት ሰባት ኩሉ

ኣነቓቓሕቲ ጥቕስታት

ነገር ዘለዎም ኣይኮኑን፡ እንታይ ድኣ እቶም ንዘለዎም ክንዲ ኩሉ ነገር ዝርእይዎ’ዮም።Ø ፍቕሪ ብፍሽኽታ ይጅምር

ብምስዕዓም ይዓቢ ብንብዓት ድማ ይዛዘም።Ø ክትውለድ ከለኻ ንስኻ ትበኪ

ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ሰባት ድማ ይስሕቁ፡ ክትመውት ከለኻ ድማ ንስኻ እቲ ትስሕቕ ክትከውን ከለኻ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዝርከቡ ሰባት ድማ እቶም ዝበኽዩ ይኾኑ።Ø ኩሉ ግዜ ሂወት ክብርቲ’ያ፡

ከይተሕስራ።Ø እንተተጋጊኻ ጌጋኻ ናብ ካልእ

ኣይተሳብብ፡ ካብቲ ጌጋ ተማሃር

ዝበዝሐ ህዝቢ ዝቕመጠን ከተማታት ዓለም

1. ቶክዮ - ጃፓን፡ 36 ሚልዮን ህዝቢ2. ሜክሲኮ ሲቲ - ሜክሲኮ፡ 19 ሚልዮን3. ኒውዮርክ - ኣመሪካ፡ 18.5 ሚልዮን4. ሳኦፓውሎ - ብራዚል፡ 18 ሚልዮን5. ሙምባይ - ህንዲ፡ 17.8 ሚልዮን6. ደልሂ - ህንዲ፡ 14.5 ሚልዮን7. ካልካታ - ህንዲ፡ 13.4 ሚልዮን

8. ቦነስ ኣይረስ - ኣርጀንቲና፡ 13 ሚልዮን9. ሻንጋይ - ቻይና፡ 12.8 ሚልዮን

10. ጃካርታ - ኢንዶኔዥያ፡ 12.4 ሚልዮን

መልሲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን

ኣብዛ ሳንዱቕ እትምላእ ቅንዕቲ ቁጽሪ፡ 1ንጋድም ውይ’ውን ንትኹል ካብ ዘለዋ ቁጽርታት ፡ ጸጋማይን የማናይን ቁጽሪ

ብምድማር ቁጽሪ ናይታ ማእክለይቲ ይርከብ።

ሱዱኮ

Page 11: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 11

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

መዓልቲ ብሽክለታ ተዘኪሩሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ

ነቲ ናይ ልዕሊ 70 ዓመታት ዕድመ ዘለዎን ብኣፍቀርቲ ስፖርት ሃገርና ድማ ፍቱውን ዝኾነን ስፖርት ቅድድም ብሽክለታ፡ ዓመታዊ ተዘካሪ ክብሪ ንምሃቡ ብዘንቀዶ መደብ ‘ብሽክለታ ትንገስ’ ብዝብል ቴማ መዓልቲ ብሽክለታ ኤርትራ 2014 ዘኪሩ ውዒሉ፣

ኣብቲ ሰንበት 13 ሚያዝያ 2014 ካብ ማውንቴን ባይክ ክሳብ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ንዝርከቡ ተቐዳደምቲ ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉ ክፋላት ዕድመ ዝርከቡ ኣፍቀርቲን ተጠቀምቲን ብሽክለታ ኣሳቲፉ ካብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ተበጊሱ ናብ መስመር ቀሓውታ ብምምራሕ ብጎዳይፍ ተጠውዩ ብጎደናታት ተጋደልቲ፡ ሰማእታትን ሓርነት ሓሊፉ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተዛዘመ ዝኽሪ፡ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ኣፍቀርቲን ተጠቀምቲን ቅድድም ብሽክለታ’ዮም ተሳቲፎሞ፣

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ነቲ ኣጋጣሚ ምውዳቡ ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ስፖርት ኣንጸባራቒ ዓወታት ንሓፍሰሉ ዘሎና ዓውዲ ተወሳኺ ናይ ምዕባለ ድርኺት ዝፈጥርን ተካእቲ ተቐዳደምቲ ብቁጽሪን ዓይነትን ክፈርዩ ዝሕግዝ ተበግሶ ብምዃኑ ብምግላጽ ዓመት መጸ ብዝበለጸ ውዳቤን ሰፊሕ ተሳተፍነት ማሕበረሰብ ቅድድም ብሽክለታን ጋንትታትን ብዘዘጋግጽን መልክዑ ንምውዳቡ ክስረሓሉ ኣዘኻኺሮም፣

ህዝባዊ ርክባትኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

ቅንጥብጣብ= ተደጋጋሚ ስዕረት ዘመዝገበት እስጳኛዊት

ክለብ ባርሴሎና፡ ንኣመልካቲቶ ኣጻብዕታ ናብ ኣሰልጣኒ ማርቲኖ ተመልክት ኣላ - ተሓታቲ ኢኻ ብዘስምዕ፣ እቲ ኣርጀንቲናዊ ኣሰልጣኒ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ባርሴሎና ሒደት እዋናት እንተገበረ፡ እታ ጋንታ ካብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ብኣጋኡ ብምግላፋን ኣብ ውድድር ላ’ሊጋ እስጳኛ ድማ ነጥቢ ተጥፍእ ምስ ምህላዋን ከተባርሮ ከምእትኽእል ብሰፊሑ ይንገር፣ ብፍላይ ኤልሙንዶ ዲፖርቲቮ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ፡ ማርቲኖ፡ ናይ ባርሳ ጻንሖቱ የብቅዕ ከምዘሎ እያ ትሕብር ዘላ፣ እንተኾነ እታ ካታሎናዊት ክለብ ነቲ ኣርጀንቲናዊ እንተኣባሪራ 5 ሚልዮን ፓውንድ ካሕሳ ክትከፍል ከምእትግደድ ኣነጺራ - ምኽንያቱ ውዕሉ ከየብቀዐ ይፋኖ ብምህላዉ፣

** ** **= ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳን ላ’ሊጋን

ድንቂ ብቕዓት እናርኣየት ጉዕዞኣ ትቕጽል ዘላ ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ንኣጥቃዒ ክለብ ሳን ሎረንዞ - ኣንጅል ኮሪያ ከተፈርም ላዕልን ታሕትን ትብል ከምዘላ ተሓቢሩ፣ ብመሰረት ሓበሬታ ጋዜጣ ማርካ፡ እታ ክለብ ምስ ኮሪያ ዝርርብ ከምዘካደት ተገሊጹ፣ ብክለብ ኣርሰናልን ማን ሲቲን ተጠሚቱ ዘሎ ኮሪያ፡ ወዲ 19 ዓመት ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ኣድነቕቲ ተጻዋታይ ሲቲ - ሰርጆ ኣጕዌሮ እዩ፣

** ** **= ኣሰልጣኒ ኣርሰናል - ኣርሰን ቨንገር፡

ኦሊቨር ጂሩድ ናብ ዕዳጋ ክወርድ ድፍኢት ክገብር ምጽንሑ ማዕከናት ዜና ክገልጻ ጸኒሐን፣ እንተኾነ፡ እቲ ፈረንሳዊ ኣሰልጣኒ እቲ ተጻዋታይ ከምዘድልዮን ካብታ ክለብ ክወጽእ ድማ እዋኑ ከምዘይኮነን ኣነጺሩ፣ “ጅሩድ፡ ነዛ ክለብ ከዐውት ልዑል ባህጊ ኣለዎ፣ ብፍላይ ኣብ ናይ ጋንታ ጸወታ፡ ዘርእዮ ሃልኪ ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ” ይብል ቨንገር፣

** ** **= ኣሰልጣኒ ኣትለቲኮ ማድሪድ- ዲያጎ ሲሞነ

- ንሓላዊ ልዳት ክለቡ ኮርቱዋ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር ቸልሲ ከምዘየሰልፎ ሓቢሩ፣

** ** **= ሜትሮ ዝተባህለት ማዕከን ዜና፡ ኣጥቃዒ

ኣትለቲኮ ማድሪድ - ዲያጎ ኮስታ ብ50 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ቸልሲ ክሰጋገር ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣፍሊጣ፣ ብመሰረት እቲ ምንጪ፡ እቲ ብራዚላዊ መበቆል ዘለዎ እስጳኛዊ፡ ኣብ ክረምቲ ናብ ቸልሲ ክጽምበር እዩ፣

** ** **= ኣከፋፋሊ ክለብ ቶተንሃም - ክርስትያን

ኤሪክሰን ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ካብታ ክለብ ክወጽእ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቶተንሃም ንሓላዊ ልዳት ዌስትብሮም - በን ፎስተር ክትገዝእ መዲባ ምህላዋ ሚረር ዝተባህለት ጋዜጣ ትማሊ ሓቢራ፣

** ** **= ንዊጋን ብፍጹም ቅላዕ 4ብ2 ብምስዓር

ኣብ ግጥም ፍጻመ ኤፍ ኤ ካፕ ዝበጽሐት ኣርሰናል፡ ኣሰልጣኒኣ ኣርሰን ቨነገር ውዕሉ ከተናውሓሉ መዲባ ምህላዋ ተሓቢሩ፣

** ** **= ኣከፋፋሊ ክለብ ማን ሲቲ - ያያ ቱረ፡

ክለቡ ብሊቨርፑል 3ብ2 ኣብ ዝተሳዕረትሉ ግጥም፡ ንኣዋርሕ ካብ ጸወታ ዘርሕቖ ማህሰይቲ ከምዝገጠሞ ተሓቢሩ፣ ኣሰልጣኒ ማኑኤል ፐለግረኒ፡ ዋላ’ኳ ብዛዕባ ማህሰይቲ ቱረ ጽጹይ ዝኾነ ሓበሬታ እንተዘይሃበ፡ ንኣዋርሕ ካብ ጸወታ ናይ ምርሓቕ ተኽእሎ ከምዘለዎ ግና ኣሚቱ ኣሎ፣

** ** **= ኣጥቃዒ ናይታ ንገታፈ 2ብ0 ዝሰዓረት

ኣትለቲኮ ማድሪድ ዝኾነ ዲያጎ ኮስታ፡ ምስ ዓንዲ ልዳት ብምግጫዉ ማህሰይቲ ገጢምዎ ኣሎ፣ እቲ ማህሰይቲ ንክለቡ ዘሰንበደ ተርእዮ እኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ብዘካየዶ ሕክምናዊ ክንክን ንግጥም ፍርቂ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ቸልሲ ከምዘርክብ ተሓቢሩ፣

** ** **

ግጥማት ሊግ ኤርትራ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ኤርትራ ቀጺሉ ውዒሉ፣ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ኣቐዲመን

ኣልታሕሪርን ኣልሂላልን ክገጥማ እንከለዋ። ኣልሂላል ኣብ መበል 23 ደቒቕ ካብ ኤፍሬም ዘርኦም። ኣብ መበል 52 ደቒቕ ከኣ ካብ ኣማኑኤል ዓንደብርሃን ክልተ ሸቶታት ከተቑጽር እንከላ። ኣልታሕሪር ኣብ መበል 65 ደቒቕ። ብጽቡቕ ምቅብባል ኣብ ክሊ ልዳት

ኣልሂላል ንዘብጽሓታ ኩዕሶ። ተጻዋታይ ኣሂላል በደል ብምፍጻሙ ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብመገዲ መድሃኔ ስዩም። ካብ ስዕረት ዘየናገፈት ሸቶ ከተቑጽር ክኢላ፣ ኣልሂላል ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ

ሊግ ግጥማ ኣብ ሜዳኣ ከተማ ከረን ንኣዱሊስ 3ብ2 ከምዘሰነፈት ዝዝከር ኮይኑ። ትማሊ ሰንበት ገይሻ ንኣልታሕሪር ኣብ ሜዳኣ ብምስናፋ ተኸኸታታሊ ኣንጸባራቒ ዓወት ከተመዝግብ ክኢላ ኣላ፣ቀጺለን ዝገጠማ ኣዱሊስን ደቀምሓረን

እየን፣ ኣዱሊስ ከኣ ኣከታቲላ ኣብ መበል 55 ደቒቕ ብስዒድ ዓብደልቃድር። ኣብ መበል 71 ደቒቕ ከኣ ብዮናስ ሰለሙን ብዘቑጸረተን ሸቶታት። ናይ 2ብ1 ዓወት ተደቢሳ፣ኣብ ዓሰብ ደንካልያን ቀይሕ ባሕርን ክገጥማ

እንከለዋ። ቀይሕ ባሕሪ ኣቐዲማ ካብ ሙሴ ነጋሲ ኣብ መበል 16 ደቒቕ ሸቶ ከተመዝግብ እንከላ። ደንካልያ ኣብ መበል 30 ደቒቕ ካብ ኢብራሂም መሓመድ ብዘቑጸረታ ሸቶ ተመዓራርያ፣ ብድሕር`ዚ እተመዝገበ ሸቶ ብዘይምንባሩ።

እታ ኣብ ሜዳኣ ክልተ ተኸታታሊ ዓወት ዘመዝገበት ደንካልያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ማዕረ ተፈላልያ፣ኣልነስርን ማይ ኣድከሞምን ኣብ ከተማ ከረን

እየን ገጢመን፣ ኣቐዲማ ኣብ ሻውዓይ ደቒቕ ሓላው ልዳታ ብቐይሕ ካርድ ዝኸሰረት ማይ

ሊግ ኤርትራኣድከሞም። ጽቡቕ እኳ እንተተንቀሳቐሰት። ኣልነስር ኣብ መበል 32 ደቒቕ ጎይቶኦም ሃብቶም። ኣብ 38 ደቒቕ ዘርእማርያም ቀለታ። ኣብ 78 ደቒቕ ከኣ ካብ ጽንዓይ ይግዛው ብዘቑጸርወን ሸቶታት 3 ብ 0 ክትመርሕ እንከላ። ብጎደሎ ተጻወትቲ ዝመከተት ማይ ኣድከሞም ኣብ መበል 82 ደቒቕ ካብ ኤርምያስ ተስፋማርያም መምለሲት ገዛ ትኸውን ሸቶ ኣቑጺራ፣ ዝነበርዋ ተቐየርቲ ኣቐዲማ ዘእተወት ማይ ኣድከሞም። ኣብ ኣጋ ምዝዛም። ብመጉዳእቲ ጸወታ ክቕጽል ንዘይከኣለ ተጻዋታያ ክትክእ ስለዘይከኣለት። ንጸወታ ብትሽዓተ ተጻወትቲ እያ ዛዚማቶ፣ሰሜንቶን ስሉማን ኣብ ዘካየድኦ ናይ ባጽዕ

ግጥም። ሰሜንቶ ኣብ መበል 65 ደቒቕ ካብ ዓብዱ ኢብራሂም። ኣብ 77 ደቒቕ ከኣ ካብ ኢሳያስ ዓጽመገርጊስ ብዘቑጸረተን ሸቶታት። ኣብ ልዕሊ ስሉማ ናይ 2ብ0 ዓወት ተጓናጺፋ፣ኣብ መንደፈራ መረብን ኣስመራ ቢራን

ኣብ ዘሰላሰልኦ ግጥም። ሳምሶም ገብረዋህድ ኣብ መበል 15 ደቒቕ ንዘቑጸራ ሸቶ። ኣስመራ ቢራ ክትስርዛ ብዘይምኽኣላ። ብናይ መረብ 1ብ0 ዓወት ጸወታ ክዛዘም እንከሎ። ኤፍሬም የማነ ናይ ኣስመራ ቢራ ከኣ ኣብ መበል 90 ደቒቕ ብዝፈጸሞ ሓደገኛ ኣጸዋውታ ግዳይ ቀይሕ ካርድ ኮይኑ፣

ህዝባዊ ርክባት ሃ/ፈ/ኩ/እ/ኤ

መደብ ጸወታሎሚ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝኣርሰናል - ዌስትሃም 9:45

ስእሊ፡- ኤፍሬም (ወዲ ፎርኖ)

ኤሪተል ተዓዊታመኽሰብ ንዘዋሪት ዋንጫ ኢዱ ኣንቢሩላብቕድሚ ትማሊ ኣብ ከባቢ

እንዳማርያም ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ውድድር ዘዋሪት ዋንጫ ዞባ ማእከል፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤሪተል መርሃዊ ጎይትኦም ዕዉት ናይቲ መድረኽ ክኸውን እንከሎ፡ ወዲ ጋንታኡ መኽሰብ ደበሳይ ድማ ብውህሉል ነጥቢ ዋንጫ ዓቲሩ፣ ብክለብ ኣብ ዝተኻየደ ቅልስ ኤሪተል ብ82 ነጥቢ ዕዉትቲ ኮይና፣ኣብቲ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ

ተዓዘብቲ ዝተረኽቡሉ ረፍዲ፡ ተቐዳደምቲ ቀዳማይ ዲቪዥን ብ2 ሰዓትን 47 ደቒቕን እዮም ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ በጺሖም፣ መርሃዊ ጎይትኦም ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ብርሃነ መልኣከ - ኤሪተል፡ ኣኽሊሉ ገብርሂወት - ሰምበል፡ ሰለሙ ንሃብተ - ኣስቤኮ፡ ተስፋይ ኣብርሃ - ሰምበል፡ መኽሰብ ደበሳይ - ኤሪተል፡ ሚኪኤል ሃብቶም - ሰምበል፡ ቢንያም ወልደሩፋኤል - ሰምበል፡ ዮናስ ፍስሃየ - ኤሪተል፡ ኣሮን ደብረጼን - ኣስቤኮ ድማ

ክሳብ ዓስራይ ብምውጽእ ኣብ ነጥቢ ኣትዮም፣ ኣብ ወድድር ካልኣይ ዲቪዥን፡

ሜሮን ኣብርሃም - ኤሪተል፡ ኑር ኣሕመድ ዓብደልወሃብ - ውልቂ፡ ዮናስ ወልደሩፋኤል - ኣስቤኮ፡ ተስፋይ ምሕረትኣብ - ኣስቤኮ፡ ሄኖክ ተስፋይ - ውልቂን ተመስገን ሃይለ - ውልቂን ዕዉታት ኮኑ፣ኣብ ዳኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ

ሰናይት መንግስ - ዓራግ፡ ትዕግስቲ ገብርሂወት - ጋላ ነፍሒ፡ ዮርሳሌም ገብሩ - ኤለክትሮላይት፡ ዮሃና ዳዊት - ዓራግ፡ ጸሃይነሽ ፍጹም - ዓራግ፡ ወሓዚት ኪዳነ - ኤለክትሮላይት፥ ኣብ ውድድር ሳልሳይ ዲቪዥን፡ ዘመንፈስ ሰለሙን - ውልቂ፡ ዮናስ ኣፈወርቂ - ጎዳይፍ፡ ደጀን ለገሰ - ቲራቮሎ፡ ፊሊጶስ ክብረኣብ - ጎዳይፍ ከምኡ ድማ ኤርምያስ ንጉሰ - ኣርባዕተ ኣስመራ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻዱሻይ ወጺኦም፣

ብውህሉል ነጥቢ፡ መኽሰብ ደበሳይ ብ19 ነጥቢ ቀዳማይ፡ ኣሮን ደብረጼን - ኣስቤኮ ብ18 ነጥቢ ካልኣይ ከምኡ ድማ ዮናስ ፍስሃየ - ኤሪተል ብ16 ነጥቢ ሳልሳይ ኮይኑ፣ ኣብ ካልኣይ ዲቪዥን ሜሮን

ኣብርሃም - ኤሪተል ብ18 ነጥቢ፡ ዓወት ሃብቶም - ሰምበል ብ12 ነጥቢን ዮውሃንስ ወልደሩፋኤል - ኣስቤኮን ብ8 ነጥቢ ሳልሳይ ኮይኖም፣ ብጋንታ ድማ ኤሪተል ብ22 ነጥቢ ቀዳመይቲ ኮይና፣ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ወሓዚት ኪዳነ ብ15 ነጥቢ፡ ሰናይት መንግስ ብ12 ነጥቢን ዮርሳሌም ገብሩ ብ9ነጥቢን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን፣ ብጋንታ ድማ ዓራግ ቀዳመይቲ ኮይና፣ኣብ ሳልሳይ ዲቪዥን ዘመንፈስ

ሰለሙን ብጋንታ ድማ ገዛባንዳ ዕዉታት ኮይኖም፣

** ** **

Page 12: ገጽ 11 ቋንቋ ስዋሂሊ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15042014.pdf · መበል 23 ዓመት ቁ. 227 15 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

በዓል ተራ ቤት መድሃኒት፦ ዕለት ኣድራሻ ቍ.ስልኪ ቤ/መ/መድሃኒት ኣንበሳ 15/04/2014 ጐደና ዓዲ ሓውሻ175 ቁ.ገዛ 58 ከባቢ ቤት ቡስጣ ፊት ፎቶ ኤርትራ 200141

ፋርማሲ ቍ.1 ብዘይካ’ቲ መዓልታዊ እትህቦ ኣገልግሎት ምሉእ ለይቲ’ውን ክፍትቲ ኢያ፣ ኣድራሻ። ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 02 ጐ. ናቕፋ ቍ.1 127565

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ዜና ብሓጺሩኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን፡ ሓያሎ ህንጻታት

መንግስቲ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ኣባላት ሚሊሻ ከምዘይለቁ ኣፍሊጦም። መንግስቲ ዩክሬን፡ እቶም ንሩስያ ዝድግፉ ዕጡቓት ባዕላቶም እንተዘይለቒቖም ብሓይሊ ሰራዊት’ታ ሃገር ከምዝድፍኡ’ዩ ዘጠንቅቕ። እንተኾነ ንሳቶም፡ ኣብቲ ዝሓዝዎ

መንግስታውያን ህንጻታት ባንዴራ ሩስያ ብምስቃል፡ ድሌቶም ካብ ዩክሬን ተፈልዮም ምስ ሩስያ ምጽንባር ምዃኑ’ዮም ዘገንዝቡ። ዩክሬን ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣባላት ሚሊሻ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንተወሲዳ፡ ብስቕታ ከምዘይትዕዘብ ሩስያ ተጠንቅቕ። ዞባ ክረምያ ብወግዒ ምስ ሩስያ ድሕሪ

ምጽንባራ፡ ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ዝርከባ ካልኦት ዞባታት’ውን ተመሳሳሊ ሕቶ የልዕላ ምህላወን ጸብጻባት የነጽሩ።

*** ኣብ ከተማ ከንሳስ - ሕ.መ.ኣመሪካ፡

ሓደ ብረት ዝዓጠቐ ሰብ ኣልማማ ተዂሲ ብምኽፋት ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣብ ዝነብርሉ ክፋል’ታ ከተማ’ዩ ተኻይዱ። ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ’ታ ከተማ፡ ኣብ

70’ታት ዝዕድሚኡ ጻዕዳ ኣመሪካዊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ። ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ዝጥርጠር ሰብ፡ ሕሉፍ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ። በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝቖሰሉ ሓደ ቈልዓ ተወጺዑ ይርከብ።

*** ኣብ ማእከላይ ቺለ ዝጀመረ ባርዕ ጫካ

ጠንቂ ምምዝባል ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ኮይኑ። እቲ ባርዕ ንወደባዊት ከተማ ቫልፓራይሶ ኣኽቢብዋ ብምህላዉ፡ ሓያሎ ነበርቲ ናይታ ከተማ ክሃድሙ ከምዝተገደዱ ካብቲ ቦታ ዝተመሓላለፈ ዜና ሓቢሩ። በቲ ብኽቱር ሙቐት ከምዝተወለዐ ዝተገልጸ ባርዕ ጫካ ዛጊት 12 ሰባት ከምዝሞቱ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ብዘይካ’ዚ ዓሰርተታት ኣባይቲ ከምዝዓነወ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ቺለ ሚሸላ ባችለት፡ ኣብቲ

ብባርዕ ዝተሃስየ ከባቢታት ህጹጽ ድንጋገ ክትግበር ኣዊጃ። ናብቲ ቦታ ድሕሪ ምጓዓዝ ድማ፡ ንተመዛበልቲ ዝኸውን ግዝያዊ መጽለሊ፡ መግብን መድሃኒትን ክዳሎ ኣዚዛ። ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ 1200 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ቀትርን ለይትን ይጽዕሩ ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኣቡጃ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ብዝተፈጸመ ክልተ መጥቃዕቲ ቦምብ

ኣቡጃ ብመጥቃዕቲ ቦምብ ትናወጽ

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ መነሃርያ ኣውቶቡሳትን ታክስን ዝተጻወደ ቦምብ ክልቲኡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ክነቱግ እንከሎ፡ ብውሕዱ 40 ሰባት ከይሞቱ ከምዘይተርፉ ንመሰኻክር ብምጥቃስ ቢቢሲ ኣፍሊጡ።እቲ ኣብ ማእከል ከተማ ኣቡጃ

ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብእስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ከምዝተፈጸመ’ዩ ፖሊስ’ታ ከተማ ዝኸስስ። ዛጊት ንቑጽሪ ግዳያት ዝምልከት ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብተወሳኺ ገሊጹ።በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 30

መካይን ክዓንዋ እንከለዋ፡ ሓያሎ ዝቖሰሉ ሰባት ኣብ ዝዓበየ ሆስፒታል’ታ ከተማ ተዓቚቦም ምህላዎም ተገሊጹ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፡ ዕጡቓት ቦኮ

ሓራም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 1500 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝግመት።ቅድሚ ክልተ ጉጅለ ቦኮ ሓራም

ኣብ ከተማ ኣቡጃ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወ ጸብጻባት የመልክቱ።ሰራዊት ናይጀርያ ኣንጻር’ቲ ጉጅለ

ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ስርሒት ይዕወት ከምዘሎን እቲ ሰፊሕ ከባቢታት ናይጀርያ ተቖጻጺሩ ዝነበረ ጉጅለ ሕጂ ኣብ ንጸቢብ ቦታ ተኸርዲኑ ከምዝርከብ ይገልጽ።

ኣብ ኡታህ - ኣመሪካ፡ ሚጋን ሃንትስማን ዝተባህለት ጓል 39 ዓመት ሰበይቲ፡ ብቕትለት ሽዱሽተ ደቃ ተኸሲሳ።ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ኣመሪካ፡

በታ ሰበይቲ ኣብ ዝውነን ቀጽሪ መንበሪ ገዛ፡ ናይ ሸውዓተ ህጻናት ዓስከሬን

ድሕሪ ምርካቡ’ዩ ኣብ ልዕሊ’ታ ሰበይቲ ክሲ ቅትለት ተመስሪቱ ዘሎ። በዓል-ቤታ ከም ወዝቢ ኣብ ቀጽሪ

ናይቲ መንበሪ ቤት ዓስከሬን ህጻን ምስረኸበ ንፖሊስ ክሕብር እንከሎ፡ ብፖሊስ ኣብ ዝተኻየደ ጽዑቕ ዳህሳስ ተወሰኽቲ ዓስከሬናት ክርከብ ከምዝኸኣለ’ዩ ተገሊጹ።

ኣመሪካ፡ ሽዱሽተ ደቃ ቀቲላ ትበሃል ዘላ ሰበይቲ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ካብ ስልጣኑ ይወርድ

ወዲ 42 ዓመት ብሪጣንያዊ፡ ኣብ ውድድር ጉያ ማራቶን ለንደን ድሕሪ ምስታፉ ብኡ ንብኡ ህይወቱ ሓሊፉ። ወደብቲ ናይቲ ጉያ ከምዝገለጽዎ፡ እቲ ብሪጣንያዊ ውድድሩ ፈጺሙ፡ ናይ መዛዘሚ ሕንጻጽ ምስረገጸ’ዩ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ወዲቑ። ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ተጓይይዎም ናብ ሆስፒታል ክወስድዎ’ኳ እንተፈተኑ፡ ኣብ ኢዶም ከይበጽሐ ድሮ ከምዝሞተ’ዮም ሓካይም ገሊጾም። ኣብ መበል 34 ውድድር ማራቶን ለንደን ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ከምዝተሳተፉ’ዩ

ዝግለጽ። ቅድሚ ክልተ ዓመት’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ሓንቲ ጓል 30 ዓመት መንእሰይ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምዝሞተት ይጥቀስ። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ማራቶን ለንደን ብደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን

ኬንያውያን ተወዳደርቲ ቀዳሞት ምውጽኦም ይፍለጥ።

ሚጋን፡ ካብ 1996 ክሳብ 2006 ንዝወለደቶም 7 ህጻናት ቀቲላ፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ መንበሪ ገዛኣ ከምዝቐበረቶም’ዩ ዝጥርጠር።ይኹን’ምበር ኣብ ክንዲ ብቕትለት

ሽውዓተ ሰባት ንምንታይ ብሽዱሽተ ጥራይ ተኸሲሳ ዛጊት ዝተነጸረ ጉዳይ

የለን። ኣቐዲሙ በዓል ቤታ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ንመርመራ ናብ ፖሊስ ክቐርብ ከምዝተኣዘዘ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እታ ሰበይቲ ኣቐዲማ ዝወለደተን ሰለስተ ኣዋልድ ኣለዋኣ። ኣብ ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት ኣረሜናዊ

ክስተት ብተደጋጋሚ ከምዝረአ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ስራሕ ሰሙን ዝገበረ ቀዳማይ

ሚኒስተር ሊብያ ዓብደላ ኣል-ሲኒ፡

ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ክወርድ

ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ልዕሊ

ኣባላት ስድራቤቱ ድሕሪ ዝወረደ

መጥቃዕቲ፡ ክወርድ ከምዝወሰነ

ገሊጹ። ኣብቲ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ

መጥቃዕቲ፡ ኣባላት ስድራቤት ናይቲ

በዓል ስልጣን ንስክላ ከምዝደሓኑ

ምንጭታት ሊብያ ሓቢሮም።

ዓብደላ ኣል-ሲኒ፡ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ

ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት

*** መንግስቲ ቨነዙዌላ፡ ንተቓወምቲ

ሰልፈኛታት ንምብታን ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ ከምዝተጠቕመ ገሊጹ። ፖሊስ ቨነዙዌላ ነቲ ኣብ ከተማ ካራካስ ዝተወለዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብሓይሊ ንምብታን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ኣስታት 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝግለጽ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ

ተጠቒሞም ዝተባህሉ ሓለፍቲ ዝርከብዎም 97 ኣባላት ፖሊስ ናብ መርመራ ከምዝቐርቡ መንግስቲ ቨነዙዌላ ገሊጹ። መንግስቲ ቨነዙዌላ ነታ ሃገር ኣናዊጽዋ ንዝጸንሐ ናዕብን ተቓውሞን ንምዝሓል ምስ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ’ታ ሃገር ይዘራረብ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

ሒዙ። “ብሰንኪ ስልጣነይ፡ ኣባላት

ስድራቤተይ ግዳያት መጥቃዕቲ ክኾኑ

ኣይደልን’የ” ብምባል ድማ ስልጣን

ክገድፍ ከምዝመረጸ ተዛሪቡ።

ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ

ሃገር ብምዃን ዝሰርሐ ዓሊ ዘይዳን፡

ጸጥታ’ታ ሃገር ከመሓይሽ ኣይከኣለን

ተባሂሉ ድሕሪ ዝቐረበሉ ክሲ ካብ

ስልጣኑ ከምዝወረደ ይዝከር።

ስርዓት መዓመር ቐዛፊ ኣብ 2011

ድሕሪ ምውዳቑ፡ ኩነታት ጸጥታ

ሊብያ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ’ዩ ወዲቑ

ዝርከብ።