ባይቶ ዞባ ማእከል፡ ውጽኢት ኣኼባኡ ናብ ህዝቢ...

12
መበል 27 ዓመት ቁ. 148 ሰሉስ 20 ለካቲት 2018 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 3 “መጻኢ ዕድል ህዝቢ ከርከበት ዓቢዪን . . . ገጽ 5 በዓል ክልተ ብልሒ ገጽ 6 ህይወት ምርጫ’ያ ገጽ 7 ሃገር ሰብ ኣለዋ ስ/ ሳሙኤል የውሃንስ ባይቶ ዞባ ማእከል፡ “ውሁድ ስራሕ ንሃገራዊ መኸተን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዘካየዶ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ ውጽኢት - ንህዝቢ መብርሂ ሂቡ። ኣባላት ባይቶ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ርክባት፡ መንግስቲ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ተጻብኦታት ንምምካት ዘሰላስሎ ናይ መኸተ መደባት፡ ማሕበረ-ቊጠባዊ ጠለባት ህዝቢ ንምምላእን ኣብ ቀረባት ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት በብመድረኹን ከከም ቀዳምነታቱን ንምፍታሕን ንዘካየዶ ወፍሪን ውጽኢቱን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም። ኣብ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን ሓይሊ ኤለክትሪክን መጺኡ ዘሎ ለውጢ መርኣያ ናይ’ቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾነ ድማ ገሊጾም። “ህዝቢ በብከባቢኡ ተወዲቡ፡ ብቐንዱ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከምኡ’ውን ኣብ ምግራብ ዘሰላስሎ ዘሎ ንጥፈታት፡ ባይቶ ዞባ ማእከል፡ ውጽኢት ኣኼባኡ ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ ብዝተወሃሃደ መልክዕ ክቕጽል ይግባእ” ዝበሉ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ብመልክዕ ወፈራታት ዝካየድ መደባት ኣድማዒ ብምዃኑ፡ በብደረጃኡ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ኣብ ካልእ ንህይወት ህዝቢ ብቐረባ ዝጸሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት እውን ንምቕጻሉ ክሰርሑ ተላብዮም። መንግስቲ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጽን ምንጪ ማይን ብምውዳድ፡ ዜጋታት ብኣካል ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት ተሳቲፎም ነብሶም ንክኽእሉ ከፊትዎ ንዘሎ ዕድልን ረብሓኡን ዝምልከት መብርሂ ዝሃቡ እቶም ወከልቲ ህዝቢ፡ ነበርቲ ዞባ ማእከል ብግቡእ ክጥቀሙሉ፡ ከምኡ’ውን ጽሬት ከተማኦምን ከባቢኦምን ክሕልዉ ኣዘኻኺሮም። ተሳተፍቲ፡ ምስ ምእታው ክራማት ኣብ ዘራእትን ጥሪትን ክረኣዩ ንዝኽእሉ ሕማማትን ባልዓትን ቅድመ-ምድላዋት ክግበር፡ ዘቤታዊ ቱሪዝም ንምምዕባል በብከባቢኡን ትካላቱን ዑደታት ክውደብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ዩኔስኮን ዝተወደበ፡ ንኣገባብ ምዝገባ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ዝምልከት ዓውደ-ዘተ፡ ትማሊ 19 ለካቲት ኣብ ብዛዕባ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ዝዘራረብ ዓውደ-ዘተ ተኸፊቱ ኣስመራ ተኸፊቱ። ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ኤርትራ - ሓንቲ ካብ’ተን ብረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት ሃብታም ትዕድልቲ ዘለወን ሃገራት ከም ምዃና መጠን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንምዕቃቡ ዝተፈላለየ መደባት ብምውዳብ ክሰርሕ ምጽንሑ፡ እዚ ናብ ውድብ ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠትን ባህልን ሕቡራት ሃገራት - ዩኔስኮ ዝቐርብ ፕሮጀክት ድማ ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ ሓቢሩ። በዓልቲ-ስልጣን ዩኔስኮን ክኢላ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻን ኣብ’ዚ ዞባ፡ ሚስ ካራሊን ሞንትየሊ ብወገና፡ ኤርትራ - ነቲ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ንምዕቃብ ተባሂሉ ኣብ 2003 ዝተነድፈ ሰነድ ብኽታመን ካብ ዝተቐበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ከምእትጥቀስ ብምሕባር፡ እቲ ኣብ ትሽዓተአን ብሄራት ዝርከብ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት፡ “ብህጹጽ ዝዕቀብን፡ ኣብ መዝገብ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ሰፊሩ ዝጸንሐን” ተባሂሉ፡ ኣብ ክልተ ምድባት ከምዝሰፍር ኣረዲኣ። ኣብ’ቲ ክሳብ 28 ለካቲት ዝቕጽልን ክኢላታት ናይ’ቲ ዓውዲ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ዘቕርቡሉ ዘለዉን ዓውደ-ዘተ፡ ያታዊ ምስላታት፡ ጽውጽዋያት፡ ዛንታታት፡ ሙዚቃን ሳዕስዒትን፡ ስርዓታት መርዓ፡ ሞትን ወሊድን፡ ባህላዊ ፍወሳ፡ ግጥሚታት፡ ኢደ-ጥበባዊ ስራሓት፡ መልቀስ፡ ማሰን ካልእን ብሰፊሑ ክዝረበሉ እዩ። *** ቦርድ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪታትን ፈደረሽናትን ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታትን - ዞባ ማእከል፡ ኣብ 2017 ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ብምግምጋም ኣብ መደባት ስራሕ 2018 ዘትዩ። ኣብ’ቲ ብ16 ለካቲት ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ንምሕያል ብዛዕባ ዝተኻየደ ንጥፈታት፡ ደረጃ ንቕሓት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንምብራኽ ዝተዋህቡ ሰሚናራትን ኣስተምህሮታትን፡ ከምኡ’ውን ብልጫታትን ብድሆታትን በብጽፍሑ ብመልክዕ ጸብጻባት ቀሪቡን ተዘትዩሉን። ብዘይካ’ዚ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ማእከል - ቦርድ ሰራሕተኛታት ሃማደኤ ኣብ መደባት ስራሕ ዘትዩ ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል ስ/ብርሃን ዓንደመስቀል ገጽ 9 ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር . . .

Upload: others

Post on 18-Sep-2019

27 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

መበል 27 ዓመት ቁ. 148 ሰሉስ 20 ለካቲት 2018 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 3“መጻኢ ዕድል ህዝቢ ከርከበት

ዓቢዪን . . .

ገጽ 5በዓል ክልተ ብልሒ

ገጽ 6ህይወት ምርጫ’ያ

ገጽ 7ሃገር ሰብ ኣለዋ

ስ/ ሳሙኤል የውሃንስ

ባይቶ ዞባ ማእከል፡ “ውሁድ ስራሕ ንሃገራዊ መኸተን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዘካየዶ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ ውጽኢት - ንህዝቢ መብርሂ ሂቡ።ኣባላት ባይቶ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ

ርክባት፡ መንግስቲ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ተጻብኦታት ንምምካት ዘሰላስሎ ናይ መኸተ መደባት፡ ማሕበረ-ቊጠባዊ ጠለባት ህዝቢ ንምምላእን ኣብ ቀረባት ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት በብመድረኹን ከከም ቀዳምነታቱን ንምፍታሕን ንዘካየዶ ወፍሪን ውጽኢቱን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም። ኣብ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን ሓይሊ ኤለክትሪክን መጺኡ ዘሎ ለውጢ መርኣያ ናይ’ቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾነ ድማ ገሊጾም።“ህዝቢ በብከባቢኡ ተወዲቡ፡ ብቐንዱ

ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከምኡ’ውን ኣብ ምግራብ ዘሰላስሎ ዘሎ ንጥፈታት፡

ባይቶ ዞባ ማእከል፡ ውጽኢት ኣኼባኡ ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ

ብዝተወሃሃደ መልክዕ ክቕጽል ይግባእ” ዝበሉ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ብመልክዕ ወፈራታት ዝካየድ

መደባት ኣድማዒ ብምዃኑ፡ በብደረጃኡ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ኣብ ካልእ ንህይወት ህዝቢ ብቐረባ ዝጸሉ ማሕበራዊ

ኣገልግሎታት እውን ንምቕጻሉ ክሰርሑ ተላብዮም። መንግስቲ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጽን

ምንጪ ማይን ብምውዳድ፡ ዜጋታት ብኣካል ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት ተሳቲፎም ነብሶም ንክኽእሉ ከፊትዎ ንዘሎ ዕድልን ረብሓኡን ዝምልከት መብርሂ ዝሃቡ እቶም ወከልቲ ህዝቢ፡ ነበርቲ ዞባ ማእከል ብግቡእ ክጥቀሙሉ፡ ከምኡ’ውን ጽሬት ከተማኦምን ከባቢኦምን ክሕልዉ ኣዘኻኺሮም።ተሳተፍቲ፡ ምስ ምእታው ክራማት

ኣብ ዘራእትን ጥሪትን ክረኣዩ ንዝኽእሉ ሕማማትን ባልዓትን ቅድመ-ምድላዋት ክግበር፡ ዘቤታዊ ቱሪዝም ንምምዕባል በብከባቢኡን ትካላቱን ዑደታት ክውደብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ዩኔስኮን ዝተወደበ፡ ንኣገባብ ምዝገባ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ዝምልከት ዓውደ-ዘተ፡ ትማሊ 19 ለካቲት ኣብ

ብዛዕባ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ዝዘራረብ ዓውደ-ዘተ ተኸፊቱኣስመራ ተኸፊቱ።ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር

ዘመደ ተኽለ፡ ኤርትራ - ሓንቲ ካብ’ተን ብረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት ሃብታም

ትዕድልቲ ዘለወን ሃገራት ከም ምዃና መጠን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንምዕቃቡ ዝተፈላለየ መደባት ብምውዳብ ክሰርሕ ምጽንሑ፡ እዚ ናብ ውድብ ትምህርቲ፡

ስነ-ፍልጠትን ባህልን ሕቡራት ሃገራት - ዩኔስኮ ዝቐርብ ፕሮጀክት ድማ ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ ሓቢሩ።በዓልቲ-ስልጣን ዩኔስኮን ክኢላ ረቂቕ

ባህላዊ ውርሻን ኣብ’ዚ ዞባ፡ ሚስ ካራሊን ሞንትየሊ ብወገና፡ ኤርትራ - ነቲ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ንምዕቃብ ተባሂሉ ኣብ 2003 ዝተነድፈ ሰነድ ብኽታመን ካብ ዝተቐበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ከምእትጥቀስ ብምሕባር፡ እቲ ኣብ ትሽዓተአን ብሄራት ዝርከብ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት፡ “ብህጹጽ ዝዕቀብን፡ ኣብ መዝገብ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ሰፊሩ ዝጸንሐን” ተባሂሉ፡ ኣብ ክልተ ምድባት ከምዝሰፍር ኣረዲኣ። ኣብ’ቲ ክሳብ 28 ለካቲት

ዝቕጽልን ክኢላታት ናይ’ቲ ዓውዲ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ዘቕርቡሉ ዘለዉን ዓውደ-ዘተ፡ ያታዊ ምስላታት፡ ጽውጽዋያት፡ ዛንታታት፡ ሙዚቃን ሳዕስዒትን፡ ስርዓታት መርዓ፡ ሞትን ወሊድን፡ ባህላዊ ፍወሳ፡ ግጥሚታት፡ ኢደ-ጥበባዊ ስራሓት፡ መልቀስ፡ ማሰን ካልእን ብሰፊሑ ክዝረበሉ እዩ።

***

ቦርድ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪታትን ፈደረሽናትን ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታትን - ዞባ ማእከል፡ ኣብ 2017 ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ብምግምጋም ኣብ

መደባት ስራሕ 2018 ዘትዩ።ኣብ’ቲ ብ16 ለካቲት ዝተኻየደ ኣኼባ፡

ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ንምሕያል ብዛዕባ ዝተኻየደ

ንጥፈታት፡ ደረጃ ንቕሓት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንምብራኽ ዝተዋህቡ ሰሚናራትን ኣስተምህሮታትን፡ ከምኡ’ውን ብልጫታትን ብድሆታትን

በብጽፍሑ ብመልክዕ ጸብጻባት ቀሪቡን ተዘትዩሉን።ብዘይካ’ዚ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ

ማእከል - ቦርድ ሰራሕተኛታት ሃማደኤ ኣብ መደባት ስራሕ ዘትዩ

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ስ/ብርሃን ዓንደመስቀል

ገጽ 9ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር . . .

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 2 መበል 27 ዓመት ቁ.148

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ ዋና ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስበይሉል ገ/ሚካኤልኣስቴር ካሕሳይ

ኤደን ሃብተኣብሳራ ኣለም

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ለይ-ኣውት

ሳምራዊት መለስ

ሎሚ ኣብ ERI-TVሰዓት መደብ12፡00 ካርቱን12፡30 ዜና ትግርኛ12፡50 ልዝብ መንእሰያት13፡30 ዜና ዓረብ13፡40 ዶክተራት14፡55 Sport Highlights15፡40 ሽዕበት16፡20 Doc/Film17፡10 ናትራን19፡25 ሄለው ቆልዑ20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ሄራር21፡00 ዜና ትግርኛ21፡25 መደብ ስፖርት22፡00 ዜና ዓረብ22፡10 ሙ/ድራማ22፡30 ዜና እንግሊዝ

ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ - ምምሕዳራት ከባቢ ግርጅናይን ሓሻኪቶን፡ ምርጫ ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ።እቲ ምርጫ፡ ምምሕዳራዊ

ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንነዊሕ እዋን ንዘገልገሉን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ግቡእ ስርሖም ከሰላስሉ ንዘይከኣሉን ንምትካእ ከምእተኻየደ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሁመድ ኤላ ሓቢሩ።ኣቶ ሁመድ ኣስዒቡ፡ ሓደስቲ

ዝተመርጹ ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን፡ መደባት ልምዓት ንምዕዋትን ኩሉ-መዳያዊ ተሳታፍነትን ውዳበን ህዝቢ ንምሕያልን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።እቶም ዝተመርጹ ዜጋታት፡ ህዝብን

መንግስትን ዘሰከምዎም ሓላፍነት ንምትግባር ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

ድገ - ምርጫ ኣመሓደርቲ ከባቢ ተኻዪዱ

ንምግታእ፡ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ምርጫታት ንምሕያል ዝተሰላሰሉ መደባትን ካልእ ኣገዳሲ ጉዳያትን ብሰፊሑ ተገምጊሙ። ኣብ መወዳእታ፡ ምምልማል ተካእቲ

መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምትብባዕ ጀጋኑ ልምዓት፡ ምብራኽ ደረጃ ንቕሓትን ተሳትፎን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ከምኡ’ውን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከቦ ድሑር ልምድታት ንምውጋድ ዝካየድ ጻዕሪ ምሕያል. . . ኣብ 2018 ቀዳምነት ክወሃቦ ከም መደብ ተሓንጺጹ። ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ማእከል

ወይዘሮ ኣለም በላይ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ብቑዕ ፍልጠትን ሞያን ደሊበን ኣብ ሕብረተሰብ ግቡእ ቦታአን ንኽሕዛ፡ ውፉይ ተሳትፎአን ወሳኒ ምዃኑ ኣዘኻኺራ።

ማእከል - ቦርድ ሰራሕተኛታት ሃማደኤ . . .ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ እምባደርሆ - ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ዝነበረ ጸገማት ዝስተ ማይ ንምፍታሕ፡ ብምትሕብባር ነበርትን መንግስትን ዕዉት ስራሓት ከምእተዓመ፡ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ እምባደርሆ ኣቶ ተኽሊት በርሀ ሓቢሩ።በቲ ብዳህሳስን ሓገዝን ክፍሊ ሃብቲ

ማይ ተመሪሑ ዝተሰላሰለ ፕሮጀክት፡ ንዝስተ ማይ ዘገልግላ ክልተ ዒላታት ክኰዓታ እንከለዋ፡ ንልዕሊ ሓደ ኪሎ-ሜተርን ፈረቓን ዝዝርጋሕ መስመራት ሻምብቆ እውን ከምእተዋደደለን፡ ኣቶ

ተቐማጦ እምባደርሆ ናይ ማይ ጸገሞም ፈቲሖም

ተኽሊት ወሲኹ ገሊጹ።ብሰንኪ ምብልሻው መስመራት

ሻምብቆ ማይ፡ ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርከብ ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ክጥቀሙሉ ምጽንሖም ጠቒሱ ድማ፡ ካብ 13 መከፋፈሊ ማይ ነቚጣታት ጽሩይ ማይ ክጥቀሙ ከምዝበቕዑ ኣረዲኡ።ተቐማጦ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ

ፕሮጀክት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ምንጪ ጽሩይ ማይ ምርግጋጹ፡ ዝነበሮም ናይ ጥዕና ስክፍታ እውን ዝቕንጥጥ ብምዃኑ ሓጐሶም ገሊጾም።

ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብ16 ለካቲት - ኣብ ኣተኣላልያ ቈልዑን መሰላቶምን ዘተኰረ ኣስተምህሮ ወዲቡ።ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደን

ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ደያኑ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ፖሊስን መራሕቲ ሃይማኖትን

ዝተሳተፍዎን ኣስተምህሮ፡ ዕላማ ሽማግለ መሰላት ቈልዑ፡ ብቐንዱ ነቲ ብባህላውን ልምዳውን ኣገባባት ዝካየድ ኣተኣላልያ ቈልዑ ዝያዳ ንምምዕባል ምዃኑ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ መሓመድ ጃብር ገሊጹ።ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት

ዓሰብን ማእከል ደንካልያን ኣብ 2007

ዝቘማ ሽማግለታት መሰላት ቈልዑ፡ ኣተባባዒ ንጥፈታት የሰላስላ ከምዘለዋ፡ ንምሕያሉ ግዳ ተራ ወለዲን ስድራ-ቤታትን ክሕወሶ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፋ 5 ዓመታት ብሽማግለ መሰላት ቈልዑ ዝተሳለጡ መደባት ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ንልዕሊ 20 ሽሕ ቈልዑን ስድራ-ቤታትን ኣስተምህሮን ጐስጓስን ከምእተኻየደ፡ ኣብ ከተማ ዓሰብ ንግዳያት ኣካላውን ምዕባለኣውን ስንክልና ናይ ትምህርቲ ዕድል ከምእተራሕወ፡ ቈልዑ ብሰንኪ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ዘየድሊ

ዓሰብ - ኣብ ኣተኣላልያ ቈልዑ ኣስተምህሮ ተዋሂቡከይወድቁ ንጽጉማት ስድራ-ቤታት ሓገዝ ከምእተገብረ ተገሊጹ።ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ካብ ማእከላይ

ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝመጹ ሞያውያን፡ ኣብ ኣተኣላልያ ቈልዑ፡ መደባት ሽማግለ መሰላት ቈልዑ፡ ሓፈሻዊ ስትራተጂ ማሕበራዊ ድሕነትን ኣተሓሕዛ ግጉያት ቈልዑን ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂቦም።

ስ/ብርሃን ዓንደመስቀል

ስ/ ሮቤል መረስዕ

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 3 መበል 27 ዓመት ቁ.148

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኤርትራ እትርከብ ንኡስ ዞባ ከርከበት ንሕርሻን እንስሳታት ዝገዳምን ምቹእ ዝዀነ ሰፊሕ ጎላጉልን ጎቦታትን ዘለዋ’ያ። ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ናጻ ስለዝነበረት፡ ካብተን መጀመርያ ከም ወረዳ ዝተሰረተት’ያ። እዛ ንኡስ ዞባ፡ ብሰሜንን ምዕራብን ምስ ሱዳንን ምስ ንኡስ ዞባ ፎርቶ ሳዋን፡ ብደቡብ ምስ ንኡስ ዞባ ድገ፡ ብደቡባዊ ምብራቕ፡ ምስ ንኡስ ዞባ ኣቚርደት፡ ብምብራቕ ከኣ ምስ ንኡስ ዞባ ሰልዓን ምስ ንኡሳ ዞባ ኣስማጥን ትዳወብ። ከርከበት፡ 13 ምምሕዳር ከባቢታት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፡ የካርዕ፡ ቀጨጭ፡ ሂምቦል፡ ሃማሽድባ፡ ኣማላየት፡ ድርፋ፡ ለኮዬብ፡ ኣታይ፡ ሓርናይት፡ ኣግማይት፡ ሄዋንን ኣካየደን ይበሃላ። ኣብ’ዘን ምምሕዳር ከባቢታት ዝነብር ቊጽሪ ህዝቢ 42 ሽሕ እዩ። እዚ ህዝቢ’ዚ ዝበዝሐ ብመጓሰ ዝነብር ክኸውን ከሎ፡ ውሑድ ከኣ ኣብ ንግድን ማሕረስን ይነጥፍ። ኣብ’ዚ ንኡስ ዞባ ብብዝሒ ብሄረ ሕዳርብን ትግረን ይነብሩ። ማይ ሂወትን መሰረት ምዕባለን’ዩ።

ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም ንኡስ ዞባ ከርከበት ዝኣመሰለ፡ ብርቱዕ ሙቐትን ሃሩርን ዘለዎ ከባቢ። ኣብ’ዚ ከባቢ፡ ብዘይ ማይ፡ ዝዀነ ንጥፈት ከተካይድ ከቢድ’ዩ። ማይ እንተተረኺቡ ግን፡ ንዘመናት ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ ድንግል መሬት ስለዘለዎ፡ ርእስኻ እትኽእለሉ ዓይነት ወፍሪ ከተካይድ እዋናዋኒ’ዩ። መንግስቲ፡ ‘ርእስኻ ምኽኣል’ ብዝብል ፖሊሲ፡ ኣብ ፈቐዶ ከባቢታት ኤርትራ፡ ቊጠባዊ ሓርነት ኣብ ምውሓስ ልዑል እጃም ዘለዎም ዓበይትን ናእሽቱን ዲጋታታት ክሃንጽ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ሕምብርቲ ናይ’ዛ ንኡስ ዞባ ከኣ፡ ካብ ዲጋ ቀላይ ክትብሎ ዝቐልል፡ እምበለ መጠን ዓቢዪ ዲጋ ተዓጊቱ ስለዝርከብ፡ ንተስፋ ናይቲ ከባቢ ዘበርኽ መድረኽ ተፈጢሩ ኣሎ።እዛ ንኡስ ዞባ፡ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ፡

ተረባሒት ናይ’ዚ ዲጋ ክትከውን ጀሚራ ኣላ። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት፡ ንሓደ ሰብ ፍርቂ ሄክታር እናሃብና ኣስታት 500 ሓረስቶት ተቐማጦ ከርከበት የልምዑ ኣለዉ። ጎረቤታ ዝዀነት ንኡስ ዞባ ሰልዓ’ውን፡ ኣስታት 300 ካብ ተቐማጦኣ ኣብ’ዚ ሕርሻ ይነጥፉ ኣለዉ። ስድራቤቶም ሒዞም ነባርነቶም ናብ’ዚ ንኡስ ዞባ ቀይሮም ዝመጽኡ ኣስታት 200 ሓረስቶት’ውን ኣብ’ዚ ፕሮጀክት መሬት ወሲዶም ኣብ ምሕራስን ምልማዕን ይርከቡ። ተዘሪኡ ዘሎ ዓይነት ኣዝርእቲ ህዝቢ ዝመረጾ ኰይኑ፡ መሸላ፡ ብልቱግ፡ ፌተሪት፡ ዕፉን፡ ፉል፡ ወዘተ እዩ። እዞም ሓረስቶት ብመስኖ ዝለምዕ ሕርሻ ናይ ፈለማ ተመኩሮኦም’ኳ እንተዀኑ፡ እንተደኣ ጽዒሮምን ሰሪሖምን፡ ዝኣክል እቶት ክረኽቡ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን። ዘጋጥም ቴክኒካዊ ጕድለታት ምስ ግዜ እናተፈትሐ ይኸይድ ኣሎ። ሕርሻ ድማ ቀሊል ሞያ ኣይኰነን - ሓንጎል፡ መሳርሒን ዘድሊ ቀረብን ዓቕሚ ሰብን የድልዮ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሓረስታይ ግን ነዚ ብዝግባእ ዝፈልጦ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ይሰርሕን ይጽዕርን ብምህላዉ፡ ኣብ መጻኢ ተስፋ ዝህብ ምህርቲ ክሓፍስ’ዩ። ብዓቢኡ’ውን እዚ ቦታ’ዚ ተሓሪሱ ዘፍሪ ምዃኑ፡ ዓሚ ልዕሊ ትጽብትና ዝዀነ ምህርቲ ምስ ሃበ ኣረጋጊጽና ኣለና። ጻዕሪን ተወፋይነትን ሓረስታይ ጥራይ’ዩ ዝሓትት። እዚ ኵሉ፡ ሳላ’ቲ ገዚፍ ወጻኢታት

ብምግባር ብመንግስቲ ተዋዲዱ ዘሎ ዕድላት ዝተፈጥረ ስለዝዀነ፡ እዚ ሕርሻ

“መጻኢ ዕድል ህዝቢ ከርከበት ዓቢዪን ውሑስን እዩ!” ኣቶ ዓብደልከሪም እድሪስ

ዮሴፍ ሃይለማርያም

ስእሊ- ዮናታን የዕብዮኣ/ዜ/ኤ

መጻኢ ዕድል ናይ’ዚ ህዝቢ ምዃኑ ዘመስክር ኰይኑ ኣሎ። መሰረታዊ መፍትሒ ጸገም ናይ’ዚ ከባቢ ስለዝዀነ ከኣ፡ እዚ ህዝቢ’ዚ ኣብ መጻኢ ኣፍራዪ ወይ ማዕከን ናይ ካልኦት ኤርትራዊያን ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ፡ ምስቲ መንግስቲ ሓሲቡሉ ዘሎ፡ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ናይ’ዚ ከባቢ ዓቢዪ ክኸውን’ዩ። እቲ፡ ነዚ ንምርግጋጽ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪን ወፍርን ድማ ብዓወት ክግስግስ’ዩ። ኣብ’ዚ ንኡስ ዞባ ዝካየድ ማሕበራዊ

ኣገለግሎት ብቐንዱ፡ ሕክምና፡ ትምህርትን ማይን’ዩ። እዚ ድማ፡ ምስ ምጥርናፍ ዓድታት እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ’ዚ ንኡስ ዞባ ሓሙሽተ ትካላት ጥዕና ኣለዋ። እዚኣተን ከኣ፡ እታ ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣማላየት እትርከብ ማእከል ጥዕና’ያ። እተን ኣርባዕተ ከኣ፡ መደበራት ጥዕና ኰይነን፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢታት ሃማሽድባ፡ ቀጨጭ፡ ለኮዬብን ኣግማይትን ዝርከባ’የን። ህዝቢ ንኡስ ዞባ ከርከበት ድማ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ትካላት ጥዕና እናኸደ ኣገልግሎት ሕክምና ይረክብ። ምስ’ቲ ዘለና ስፍሓት ቦታታት፡ ኣገልግሎት ሕክምና ዝሰፍሓሉ ተኽእሎ ንፍትሽን ምስ ዝምልከቶም ንዘራረብን ኣለና። ኣብ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ነቲ ዝገጥመና

ዘሎ ብድሆታት እናተቓለስና ንስጕም ኣለና። እተን ብቛንቋ ትግረ ዝምህራ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ’የን ዝርከባ ዘለዋ። ኣብተን ብቛንቋ ብዳዌት ዘምህራ ግን ጸገማትን ሕጽረታትን ኣለና። ነዚ ንምፍታሕ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ 2017፡ ምምሕዳር ከባቢታት የካርዕ፡ ቀጨጭ፡ ሃማሽድባ፡ ኣማላየት፡ ድርፋ፡ ለኮዬብ፡ ኣታይን ኣግማይትን ኣገልግሎት

ትምህርቲ ብቛንቋ ብዳዌት ጀሚረን ኣለዋ። መማህራን ናይ’ዘን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ታሽዓይ ክፍሊ ዝበጽሑ ደቂ’ዚ ከባቢ ዝዀኑ ተወላዶ ብሄረ ሕዳርብ’ዮም። ስለዚ፡ ኣብ ትምህርቲ ድሓን ንስጕም’ኳ እንተለና፡ ብሰንኪ ባህልን መነባብሮን ዝፈጥሮ ዕንቅፋታት ግን፡ ብሕልፊ ኣብ ደቀንስትዮ ጸገማት ይርአ ኣሎ። ንምልዋጡ ከኣ፡ ምስ ሃገራውያን ማሕበራትን ካልኦት መሻርኽትን ብምዃን ይጸዓረሉ ኣሎ። ኣብ’ዚ ንኡስ ዞባ፡ ነቲ ብሰንኪ ድሑር ኣተሓሳስባታትን ኣረኣእያታትን ተቐማጦ በቲ ሓደ፡ ነቲ ብሰንኪ ዘለና ግዝያዊ ሽግር እኹል ቀረባት ዘይምህላው ዘስዕቦ ዘሎ ድሕረት ከኣ በቲ ኻልእ ንምውጋድ፡ ምስ መሻርኽቲ ብምዃን ክስርሓሉ’ዩ። ብፍላይ ነቲ ኣብ ደቀንስትዮ ዘሎ ድሕረት ንምእላይ፡ ብቐዳምነት ተሰሪዑ ዝስራሓሉ ክኸውን’ዩ። ኣብ ኩነታት ጽሩይ ማይ፡ ምስቲ

ኣቐዲሙ ዝነበረ ክነጻጸር ከሎ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ኢና ዘለና። ንኣብነት፡ ኣማላየት፡ ሃማሽድባን ቀጨጭን ጽቡቕ ቀረብ ጽሩይ ማይ ኣለወን። ድርፋ፡ ለኮዬብ፡ ኣታይን ሓርናይትን ግን ከምቲ ዝድለ ጽርየቱ ዝተሓለወ ማይ ክረኽባ ዘይከኣላ ዘለዋ’የን። ሕጂ ግን ተጸኒዑን ተፈቲሹን ስለዘሎ፡ መሰረታዊ መፍትሒ ክርከቦ ተስፋ ኣለና። እተን ካልኦት ምምሕዳር ከባቢታት’ውን፡ ኣብ ከባቢአን ዘሎ ማይ ምሉእ ብምሉእ ዝስተ ስለዘይኰነ፡ ዝስተ ማይ ንምግባሩ፡ እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ’ዩ ዘሎ። ምስ ግዜ ግን፡ ዘለናዮ ኩነታት ማይ ምሉእ ብምሉእ ተመሓይሹ፡ ኵሉ ተቐማጣይ ንኡስ ዞባና፡ ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ካብ ቀረባኡ ክሰቲ ምዃኑ ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና። ትሕተ ባይታዊ ማይ ናይ ንኡስ

ዞባና፡ ብፍላይ ምስ ምስራሕ ዲጋ ከርከበት፡ ብዘይ መጠን ሃብቲሙን ኣብ ጽቡቕ ኩነታትን ስለዝርከብ፡ መጻኢና ትስፉው’ዩ። ብዝቐልጠፈ ተረባሕቱ ንኽንከውን ግን፡ ኣብ’ዚ ጕዳይ’ዚ፡ ዝምልከቶ ኣካል ቀዳምነት ሂቡ ቆላሕታ ክገብረልና ነዘኻኽር። ኣብ ከባቢና ልዕሊ 16 ሜጋ ዋት

ዘመንጩ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣሎ። እዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ’ዚ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንፎርቶ ሳዋ፡ መዓስከር ሳዋ፡ ንመጨንጕዒ ወይ ንመስተዪ ሕርሻ ከርከበትን ካልእን ዘገልግል ዘሎ’ዩ። እዚ ተስፋ ናይ’ዚ ከባቢ’ዩ። እንተዀነ፡ ዛጊት ምስ’ዚ መደበር ኤለክትሪክ ብቐረባ ዘለና ክነስና፡ ኣይተዋህበናን ዘሎ። እዚ ብሰንኪ ገለ ሕጽረታት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሕጂ ግን፡ ኣዕኑድ ኤለክትሪክ ተተኺሉልና ስለዘሎ ኣብ ሓጺር መጻኢ ተጠቀምቲ ክንከውን ተስፋ ኣለና። ኣብ ጕዳይ ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ

ቴለፎን፡ ብፍላይ ብመንጽር’ቲ ዘለና ራሕቅን ኣቀማምጣ መሬትን ክርአ ከሎ፡ ተወጺዕና ኢና ዘለና። እዚ ከኣ፡ ብዘይካ ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከባቢ ማለት፡ ኣብ ኣማላየት (ንሳ’ውን ኣብ ሓንቲ መራኸቢት ቦታ)፡ ኣብተን ዝተረፋ 12 ምምሕዳር ከባቢታት ኣገልግሎት ኤሪ-ተል ዝበሃል የለን። እዚ ከባቢ ምስቲ በረኻ ምዃኑ በቲ ሓደ፡ ምስ ምዕባለ መታን ክላለ ድማ በቲ ካልእ ቀዳምነት ክወሃቦ ነይሩዎ፡ ግን ኣይተተግበረን ዘሎ። ስለዚ፡ መራኸቢ ሓደ መገዲ ናይ ምዕባለ ስለዝዀነ፡ ኤሪ-ተል ጸገምና ተረዲኦም፡ ፍሉይ ጠመተን ቆላሕታን ክገብሩልና በዚ ኣጋጣሚ እምሕጸን። ኣብ ጕዳይ መጓዓዝያ’ውን፡ ህዝብና ብዘይ

መጠን ኣብ ጸገም’ዩ ዘሎ። መጓዓዝያ ዝበሃል የብልናን፣ ጀሚራ ዝነበረት ሓራት’ውን ስለዘቋረጸት፡ ህዝቢ ብናይ ውልቂ መኻይን ዘይተኣደነ ገንዘብ እናኸፈለ’ዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ። ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ግዜ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ተዘራሪብና ኢና። ክሳብ ሕጂ ግን ጸገምና ኣይተፈትሐን። ሕጂ’ውን ተስፋ ከይቈረጽና፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክወሃበና ንጽበ ኣለና። ህላወ መጓዓዝያ ምስ ከባቢኻ ክትላለን ምዕባለ ከተምጽእን ቀንዲ ሓጋዚ’ዩ። ህዝብና ድማ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለን ምንቅስቓሳትን ክስጕም ስለዘለዎ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብዝቐልጠፈ ክፍትሓሉ ቀዳማይ ጠለቡ ኰይኑ ኣሎ።

ንኣብነት፡ ኣገልግሎት ሕክምና ክትረክብ ንባዕሉ፡ ናይ መጓዕዝያ ሽግር ክፍተሓልካ ኣለዎ። ስለዚ፡ ዝበዝሕ ቦታና ሰጥ ዝበለ ጎላጉል ስለዝዀነ፡ ጽርግያ ክትሰርሓሉ ብዘይ መጠን ምቹእ’ዩ። ተበጊሱ ዘሎ ዓቢዪ ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት’ውን፡ ክዕቡት እቶት ክህልዎ ስለዝዀነ፡ ህዝብና ፍርያቱ ካብን ናብን ንምጉዕዓዝ፡ ህላውነት መጓዓዝያ - ብፍላይ ሓራት፡ ወሳኒ’ዩ። ብሓፈሻኡ ክርአ ከሎ፡ ማሕበራዊ

ኣገልግሎታት፡ ምስ ጥርናፈ ዓድታት ስለዝሕይልን ዝሰፍሕን፡ ብወገንና፡ ኣብ ጎቦታት ዝርከባ ዓድታት ናብ ጎላጉል እናግዓዝና ከምዝጥርነፋ ንገብረን ኣለና። ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ እቲ መሰረታዊ ዝበሃል

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት - ሕክምና፡ ማይ፡ ትምህርቲ፡ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ንኽህልወን ከኣ ንሰርሕ ኣለና። ማዕረ ማዕረ’ዚ፡ ኩነታት ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባና ይድፋኣሉ ስለዘሎ፡ ብፍላይ እቶም ነበርቲ ዝተጠርነፋ ዓድታት ኣብ ደሓን ዝዀነ ሕርሻዊ ንጥፈት ከምዝዋስኡ ኰይኖም ኣለዉ። ስለዚ፡ ምጥርናፍ ዓድታት ቀጻሊ’ዩ። ሓይሊ ናይ’ቲ ኵሉ እነካይዶ መደባት ልምዓትን ህንጸትን ሃገር’ውን ንሱ ስለዝዀነ፡ ብዝቐልጠፈ ክንስርሓሉ ኢና። ንኡስ ዞባና ብእንስሳ ዘገዳም ሃብታም’ዩ።

ኩነታተን ድማ ብጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ’ዚ ንኡስ ዞባ፡ ብርክት ዝበሉ ከም ሰገን፡ ኢራብ፡ መፍለስ፡ ወኻርያ፡ ህበይ፡ ዝብኢ፡ ዕንሹ፡ ዛግራ፡ ብዙሓት ዓሌታት ኣዕዋፍ ወዘተ ኣለዉ። ብጽቡቕ ይፋረዩ’ኳ እንተሃለዉ፡ ግቡእ ምክትታል ግን የድልዮም። ንኣብነት፡ ካብ ሂምቦል ቀጨጭ ተበጊስካ ክሳብ ሃማሽድባን ኣማላየትን ኣብ ዘሎ ከባቢታት ጥራይ፡ ኣስታት 400 ሰገን ኣለዋ። እዚኣተን ዓሚ ጥምየት ስለዝነበረ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቐን ነይረን’የን። ብወገንና፡ ከም ፍሉይ ፍታሕ፡ ኣስታት 50 ኩንታል እኽሊ ኣምጺእና፡ ኣብ’ቲ ንሳተን ዝውዕላሉ ቦታታት ዘርጊሕና ከም ዝበልዓኦ ስለዝገበርና፡ ሂወተን ኣድሒንና። እዚ ግን መሰረታዊ ፍታሕ ስለዘይኰነ፡ ኣብ’ዚ ከባቢና ዘሎ ነዘን እንስሳታታት ዝከታተል ኣካል መንግስቲ፡ ብዕቱብ ክከናኸነንን ክኣልየንን ኣለዎ።ንምጥቕላል፡ መንግስቲ መነባብሮ ናይ’ዚ

ህዝቢ ንምልዋጥ ዘይተኣደነ ወፍሪ ገይሩ፡ ትስፉው ናይ ሕርሻ ፕሮጀክት ኣበጊሱ ይሰርሕ ኣሎ። ብኸምዚ ንኸዶ ዘለና ከኣ፡ ንኡስ ዞባና ኣብ መደባት ልምዓት ኣብ ዝሓሸ መድረኽ ክትበጽሕ ምዃና ኣይጠራጠርን’የ። እዚ፡ ነቲ ርእስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪን መኸተን፡ ወሳኒን መሰረታዊን ስለዝዀነ፡

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዛዕባ’ቲ ምስ ህላወ ዓባይ ዲጋ ከርከበት ተኣሳሲሩ ንዝለምዕ ዘሎ ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት መሰረት ብምግባር፡ ንኩነታት ናይቲ ሕርሻን ብመንግስቲ ንዝገበር ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቴክኒካዊ ደገፋትን ኣመልኪትና፡ ኣብ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ሓላፊ ቴክኒክ ሳዋን ከባቢኣን ምክትል ተለንተ ገብረቃል ኣረንያስን ኣካያዲ ሕርሻ ከርከበት ኣቶ ታደሰ ፍሰሃየን ናይ ዝሃቡና ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪብናልኩም ነይርና። ንሎሚ ድማ፡ ንሓፈሻዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባን ነበርቲ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈት ንዝገብሩዎ ዘለዉ ጻዕርን ተሳታፍነትን ኣመልኪትና፡ ምስ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ከርከበት ኣቶ ዓብደልከሪም እድሪስ ናይ ዝገበርናዮ ቃለ-መጠይቕ ጽማቚ ክኸውን’ዩ - ሰናይ ንባብ፦

ኣቶ መሓመድ ዓሊ ያሲን

ናብ 4ይ ገጽ ይቕጽል

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 4 መበል 27 ዓመት ቁ.148

ኣቡበከር ዓብደልኣወልመድረኽ ርእይቶ

ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ራእይን መትከልን መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ሕጂ ዝንገር ዘሎ ውዑይ ዜና ኣይኮነን። ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ዝስራሓሉን ዛጊት ድማ ውጽኢቱ ዝረአ ዘሎን ባይታ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። እንታይ ተሰሪሑ? እንተ ተባሂሉ፡ ካብ ብቓል ብዓይኒ መታን ክምለስ፡ ካብ ድርኩኺት ኣፍደገና ጀሚርና እናስተውዓልና ንዞባታትና ንዙር’ሞ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጕሚ ሕቶታትና ባዕሎም እናተመለሱ ክኸዱ ኢዮም።ናብ መበገሲ ጽሑፈይ ክኣቱ። ኣባላት

ክፍሊ ፕረስ ሚኒስትሪ ዜና ብፍላይ ከኣ፡ ኣባላት ጋዜጣታት ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ትግረን እንግሊዝን ኣብ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ልምዓታውያን ፕሮጀክትታት ዑደት ኣካዪዶም ኔሮም። ኣነ ድማ ምስኦም ክጽንበር ዕድል ረኺበ። ዕላማ’ቲ ዑደት፡ ብህሉው ውሽጣዊ ዓቕሚ ዝተሰርሑ ስረሓት ተዓዚቦም ንህዝቢ ንምቅላሕ ኢዩ ኔሩ።ብመስመር ከረን ዝጀመረ ጕዕዞና፡

ህዝብን መንግስትን ዘጣጠሖ ጽርግያታት ሰለል እናበልና፡ ከረን፡ ኣቑርደት፡ ሂምቦል ቀጨጭ፡ ከርከበት፡ ሰልዓ ኣስማጥ፡ ሓልሓል፡

እናተሓበንካ ጕዕዞ

መለብሶ፡ ሓመልማሎ፥ ንሓሙሽተ መዓልታት ቀጺልና ኣብኡ ዝተዓዘብኩዎ ክገልጽ ኢዩ መበገሲየይ። ገለ ካብቲ ናይ ዓይነይ ባህታ ምዃን ሓሊፉ፡ ውሽጣዊ ስምዒተይ ዝተንከፈኒ ድማ፡ ብቐንዱ ኣብ ዝኸድኩዎ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ምርካበይ ኢዩ። ብዘይ ትምህርቲ ጥዕና የለን፡ ብዘይ ጥዕና ከኣ ትምህርቲ የለን። ብዘይ ክልቲኦም ድማ ምዕባለን ዓወትን ኣይርከብን። ኣብ ኩለን ዝረገጽኩወን ዓድታትን

ሓውሲ ከተማታትን እዚ ዝተጠቕሰ መሰረት ምዕባለ ርእየ። ደቂ ርሑቕ ገጠራት ወዶም ጓሎም ብማዕረ ንምህሮ ክግስግሱ፡ ኣዴታት ኣብ ትካላት ጥዕና ክግልገላ፡ ማይ ካብ መዐደሊ ነቚጣታት ብቐረባ ክቕዳሕ፡ ኣውቶቡሳትን ጥሑናታትን ኣብ ማእከል ሹቕ ዓድታት ጁጅ ክብላ ምስማዕ ንቡር ኢዩ። ብኻልእ ወገን፡ መሬትናን ማይናን ኣብ ረብሓና ንምውዓል ዝተገብረ ጻዕሪ ከኣ፡ ኣብ ዲጋን ሕርሻን ከርከበት ኢየ ብጋህዲ ርእየዮ። ዲጋ ከርከበት ሒዙዎ

ዘሎ ማይ፡ ብመስኖኣዊ ሕርሻ ሰፊሕ መሬት ኣልሚዑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዙሓት ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ከፊቱን ሓዳስ ከተማ ፈጢሩን ኣሎ።እቲ ፕሮጀክት፡ ኪኖ ማይን ሓመድን

ምዕቃቡ፡ ብዙሓት ኣብ መጓሰን ሰበኽ-ሳግማዊ ሂወትን ዝነበሩ ዜጋታት፡ ድሮ ቀዋሚ ሂወት ክመርሑን ናይ ስራሕ ባህሊ ከማዕብሉን ከም ዘኽኣሎም፡ ካብቲ በብስድራ ኣንጊሆም ናብ ሕርሻኦም ዝወፍሩዎ ክግንዘብ ክኢለ። ነዚታትን ካልእ ተመሳሳሊ ልምዓታዊን ትሕተ-ቅርጻውን ስራሓት ንኽዕዘብ፡ ነዊሕ’ኳ እንተ ተጓዓዝኩ ድኻም ግና ኣይተሰማዓንን። ምኽንያቱ እቲ ጉዕዞ እናተሓበንካ ጉዕዞ ስለዝነበረ። ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡

ምስትውዓልና ኣዕሚቝና፡ ዝተጓዓዝናዮ ናይ ናጽነትን ህንጸትን ዓመታት ፍሩይ ፍርያት ዝፈረየሉ ምዃኑን ንዝያዳ ሕምባበ ልምዓት በብሞያና በርቲዕና ክንሰርሕ ከም ዘለናን ዘዘኻክር ኢዩ።

ዮናታን የዕብዮ - ኣስመራ

ብመራኸቢ ብዙሓን ሃገርና ብዛዕባ ኣሰራርሓ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ክግለጽ ሰሚዐ፡ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ መግለጺ ግና፡ ምስ ኣሰራርሓ ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ከተማ ከረን ዝሳነ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር

ከረን፡ ካብታ ፈለማ ፋይልካ ተውጽኣላ ክፍሊ ጀሚርካ ኢዩ እቲ ጉድለት ዝረኣየካ። ኣብታ ገዛ ፋይላት ኣብ መሬት ዛሕ ኢሉ፡ ፋይልካ ብቐሊሉ ኣይርከብን። እዚ ድማ ዘየድሊ ምምልላስ የኸትል። እቶም ሰራሕተኛታት ፋይልካ ተሳኢኑ’ሎ ጽባሕ ምጻእ፡ ፋይላት ኣብ ገለ ተሓዋዊሱ’ሎ፡ ገዛ ጸቢቡና፡ እንሰርሖ ውሱን ዓቐን ኢዩ ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ምስምሳት ልሙዳት ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ ርእሲ’ዚ እቶም ሰራሕተኛታት

ደንጒዮም ይኣትዉ። ንሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት እንተ ተወከስኩ ከኣ፡ “ነዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ግዜ ተዘራሪብናሉ ኢና። እንተኾነ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዘሎና ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ሕጽረት ተመኩሮ ተወሲኽዎ ዛጊት ዝተገብረ ምምሕያሽ

ኣታዊ ውሽጢ ሃገር-ከረን

ጽፈት ኣሰራርሓ የድልዮ ኣሎየለን።” ኢሉኒ። ፋይልካ ረኺብካ ማለት እውን ጸገምካ ኣብኡ ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን። እቲ ብሓላፊ ዝተባህለ ናይ ዋሕዲ ብቕዓት ነገር ብግህዶ ይረኣየካ። ብሰንኪ ዘይጽፉፍ ኣተሓሕዛ ፋይል ካብ ፋይልካ ወረቓቕቲ ይጎድሉ፡ ቅደሖም ምሳኻ እንተሎ ከተምጽእ ትሕተት። እዚ ድማ ከደናግር ንዝደሊ ተገልጋሊ ባብ ምርሓው ኢዩ። ድሕሪ ነዊህሕገልጠምጠም ኣብ

ትኸፍለሉ ኦፊስ ምስ በጻሕካ’ውን፡ ብፍኒስትራ ተገቲርካ ግዜ ምቕታልካ ዘይተርፍ ኢዩ። ምኽኒት ኣይሰኣንን። ብሓፈሻ ኣብ ከተማ ከረን ዘሎ ኣሰራርሓ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር እቲ ዝምልከቶ መጺኡ ክርእዮን ፍታሕ ክገብረሉን ከዘኻኽር እፈቱ። ንሕና ዓማዊል ግና፡ ጸገምና ብቐጥታ ተዘራሪብና ዛጊት ፍታሕ ከነምጽእ ኣይከኣልናን። እዚ ክብል ከለኹ ግና፡ ኣብቲ ገዛ ዝምስገኑ ብቑዓት ሰራሕተኛታት የለዉን ማለተይ ኣይኮነን። ንዝበዝሕ ጽቡቕ ገዲፍካ ብዛዕባ ንናእሽቱ ጉድለታት ምዝራብ ንቡር ስለዝኾነ ኢየ።

ግንቦት ኣብረሃ መንደር (ወዲ መንደር)ከባቢ 5 ከረን

ባህልና ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ’ዩ። ተራ ባህሊ ጥራይ ዘይኮነ እውን፡ መሰረት ማሕበራዊ ናብራና ኢዩ። በዚ ድማ፡ ንሕበንን ናብ መጻኢ ወለዶታትና ከነመሓላልፎ ንንየትን ኢና። ንዓቢ ምኽባር፡ ንንእሽቶ ምሕብሓብ፡ ንጽጉም ምሕጋዝ፡ ንስኡን ምዕንጋል፡ ንሕዙን ምጽንናዕ ምድባስ፡ ንሕሙም ምብጻሕ ንግጉይ ዓገብ ምባልን ንንፉዕ ሉባ ምባልን ባህልና ኢዩ። መእተዊየይ ኣንፈቱ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ሕምብርቲ ኢዩ። ከም ምትሕግጋዝ ኢሉ

ዝጀመረ ንመማህራን ምድግጋፍ ሕጂ ወግዓዊ እናኾነ መጺኡ። ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ወርሓዊ ንመማህራን ዕንጨይቲ ከምጽእ ኣለዎ ይበሃል። እንተዘይ ኣምጺኡ ይቕጻዕ። እዚ ካብ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ሓሊፉ፡ ናብ ግዴታ ገጹ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ዅሉ ተማሃራይ ወርሓዊ ዕንጨይቲ ከቕርብ እንተ ኾይኑ፡ ካብ እንዳ ዕንጨይቲ ዘይኮነ፡ ካብ በረኻ ኢዩ ክኸውን። እዚ ድማ፡ ንብርሰት ኣግራብ ዘተባብዕ ይመስለኒ። ስለዚ ኣብያተ ትምህርቲ ሓውሲ ከተማ ሕምብርቲ፡ ኣብ ክንዲ ወርሓዊ ዕንጨይቲ፡ ካልእ ኣማራጺ ከተኣታትዋ እምሕጸን።መድሕን መብራህቱ - ሕምብርቲ

ወርሓዊ ዕንጨይቲ ኣምጽኡ ኣይግድን

ፈለማ መጓዓዝያን ጽርግያን ሒዝና ብዛዕባ ዋጋታትን ታሪፍን ክንዛረብ ምብቃዕና፡ ንዘስተብሃለ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ከተምብህ እፈቱ። ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝሕተት ናይ መጓዓዝያ ክፍሊት ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ፡ ብብዙሓት ተገልገልቲ ብተደጋጋሚ ዝተዘርበሉ ዛዕባ ኢዩ።ብፍላይ ከኣ ኣብ መስመር ባረንቱ -

ተኾምቢያ ዘሎ’ሞ ኣመና ደረቱ ዝሓለፈ ኢልካ ጥራይ ኢዩ ዝሕለፍ። ንኣብነት ንምንጽጻር ክጥዕም፡ ካብ ኣስመራ ንባረንቱ ኣስታት 239 ኪሎ ሜተር 65 ናቕፋ

ኣብ ከተማ መንደፈራ፡ ካብ ብሎኮ ኣስመራ ናብ መንገዲ ዓዲ ዃላ ዝወስድ መንገዲ ጽርግያ ካብን ናብን መካይን ዝመላለሳሉ ሓንቲ መንገዲ (ጽርግያ) ኢያ። ኣብዛ ሓንቲ መንገዲ እዚኣ፡ ንመካይንን ንብሽግለታን ጥራይ ኢያ ትፍቀድ። ክልተ ዓበይቲ ማርሻበዲ ብየማነ ጸጋም እናሃለወ፡ ሰብ ኣጋር ሽናዕ እናበልና ብማእከል ጽርግያ ምኻድ ከም ልምዲ ተወሲዱ፡ ንሰብ መካይን ከነሸግር ንርአ ኣለና። ምምሕዳር ከተማ እዚ ክልተ ዓበይቲ ማርሻቤዲ የማነ ጸጋም መንገዲ ኣጋር እንተ ኣጣሒሑ፡ ማቶኔላ ምስዝግበር፡ ሰብ ኣጋር ብየማነ ጸጋሞም ዘሎ ማርሻቤዲ ንክኸዱ ምደረኸ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ በቲ ማርሻበዲ ክትከይድ ኣብ ትፍትነሉ፡ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ኣእማን ተገይጾም ንኽትከይድ ዘጸግሙ ከም ዘለዉ ኢዩ። ምሸት ብፍላይ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ብማርሻበዲ ንኽትከይድ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ።

ድሕነት ዜጋታት ንምሕላው፡ ፖሊስ ትራፊክ ዝከኣሎ ዘበለ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ። ኣብ ቀዳም-ቀዳም ብዜብራ መስመር ዘሰጋግሩ ተማሃሮ ኣሰልጢኑ ኣብ ስራሕ ከም ዝትሓጋገዙ ገይሩ ከም ዝነበረ ይዝከር። ሎሚ እቲ ዜብራ መስመር ሃሲሱ ኣሎ። ብጻዕዳ ሕብሪ ወይ ከም ናይ ኣስመራ ንነዊሕ ዝጸንሕ ብጫ ሕብሪ ዝልከየሉ መንገዲ እንተ ዝፍጠር፡ ሰብ መካይን እውን ቀሲኖም ምኸዱ። ህዝቢ ብማእከል ጽርግያ ሸናዕ እናበልካ ምኻድ ዝተርፈሉ መንገዲ ክሕሰበሉ። ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ናብ ከተማታት ኣብ ዝገሸሉ እዋን፡ ናይ ዜብራ መስመር ኣፍልጦ ኣቐዲሙ እንተ ዘይሃልዩዎ፡ ጽርግያ ኣብ ምስጋር ጸገማት ከምጽኣሉ ስለ ዝኽእል ጎስጓሳት ብዝምልከቶ ክሕይል። ከመይሲ፡ ድሕነት ትራፊክ ምሕላው ንረብሓ ኩሉ ስለ ዝኾነ።

መምህር በላይ ኑርሑሸን መንደፈራ

ድሕነት ትራፊክ ምሕላው

ንረብሓ ኩሉ ኢዩ!

ይኽፈሎ። ካብ ኣስመራ ተሰነይ 359 ኪሎሜትር ድማ 96 ናቕፋ ጥራይ ይኽፈል። ካብ ባረንቱ ንተኾምቢያ ኣስታት 40 ኪሎ ሜትር ግና፡ ማዕሪኡን ልዕሊኡን ንኸፍል ኣለና። እዚ ከመይ ጌሩ ይኸውን? ኣብ ማእከል እቲ መስመር ዘላ ዳሰ ንምብጻሕ ከኣ፡ ማዕረ እቲ ንተኾምቢያ ትኸፍሎ የኽፍሉኻ። ስለዚ ክፍሊ መጓዓዝያ ምድሪ ዞባ ጋሽ

ባርካ ነዚ ጉዳይ ተኸታቲሉ፡ መስመሩ ከትሕዞ እላቦ።

ትብለጽ ካሕሳይ - ተኾምቢያ

ክፍሊት መጓዓዝያ ባረንቱ -

ተኾምቢያ በዚሑና

“መጻኢ ዕድል ህዝቢ ከርከበት ዓቢዪን . . .

ወ/ሮ ፋጡማ መሓመድ ኣድም

ካብ 3ይ ገጽ ዝቐጸለ

ምስ ግዜ ከዐውተና’ዩ። እዚ ግን ብዘይ ምሉእ ተሳትፎን ተወፋይነትን ናይ ህዝቢ ክዕወት ስለዘይክእል፡ ህዝቢ ንኡስ ዞባ ከርከበት ነቲ ተፈጢሩሉ ዘሎ ዕድል ሸለል ከይበለ፡ ኣብ’ቲ ሕርሻዊ ልምዓት ብዝለዓለ ክዋሳእን ብስራሕ መነባብሮኡ ክቕይርን እላበዎ።

***ኣብ’ቲ ናይ ሕርሻ ቦታ ተንቀሳቒስና

ንገለ ሓረስቶት ኣዘራሪብና ነይርና። ፈለማ

ዝተወከስናዮም፡ ተቐማጦ ምምሕዳር ከባቢ ኣማላየት ዝዀኑ መሓመድ ዓሊ ያሲንን መሓመድ ሑሰን መሓመድን’ዮም። ንሳቶም፡ ቀደም ንዝናብ እናተጸበዩ፡ ብገመልን ስሉካን ይሓርሱን ውሑድ ምህርቲ ይረኽቡን ምንባሮም ይሕብሩ። ሕጂ ግን፡ መሬቶም ብመንግስቲ ይሕረሰሎምን 24 ሰዓታት ማይ ይቕረበሎምን ስለዘሎ፡

ምህርቶም ካዕቢቱ ዓመት ምሉእ ናብ ምልማዕ ኣብ ምስግጋር ከምዝርከቡ ይሕብሩ። ዘለዎም እኹል ማይን ድንግል ጎላጉል ከርከበትን ሒዞም ከኣ፡ ኣብ መጻኢ ንርእሶም ኰይኖም ንኸባቢኦም ከምዝዀኑ እምንቶኦም ምዃኑ ገሊጾም። ወ/ሮ ፋጥማ መሓመድ ኣድምን

ወ/ሮ ከድጃ ዑስማን ሙሳን’ውን ምስ ደቀን ብምዃን ተዓጢቐን ካብ ዘልምዓ ዘለዋ ሓረስቶት ደቀንስቶ’የን። ንሳተን፡ ብመንግስቲ ተፈጢሩለን ዘሎ ዕድል፡ ካብ ያታዊ ናብ ዘመናዊ ሕርሻ ኣሰጋጊሩወን ከምዘሎ ብሓጐስ ብምግላጽ፡ ቀዳማይ ፍርያት ሕርሻአን ንምሕፋስ ኣብ ምጉናእ ከምዝርከባ፣ ንቐለበንን ቀለብ ጥሪተንን ዝኸውን እኹል ምህርቲ ከምዝሓፍሳን ሓቢረን። በዚ ተተባቢዐን ከኣ፡ ብዝበለጸ ርእሰን መታን ክኽእላ፡ ወቕታዊ ምህርቲ ድሕሪ ምሕፋሰን ብቐጥታ ካልእ ዓይነት ዘርኢ ክዘርኣ ድሉዋት ከምዘለዋ ይገልጻ። ከም ቴክኒሻን ምክፍፋል ማይ

ኰይኑ፡ ኣብ’ቲ ሕርሻ ዝነጥፍ ዘሎ ኣባል መንግስታዊ ጋራጅ መንእሰይ ኣሕመድ ሙሳ ብወገኑ፡ እቲ ናይ ህዝቢ ሕርሻ ኣብ 14 ብሎካት ተኸፋፊሉ ማይ ይሰቲ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዲናሞ ማዮም ን24 ሰዓታት ክፉት ምዃኑ ሓቢሩ። በዚ ከኣ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሓረስታይ እብረኡ ፈሊጡ የልምዕን፡ ኣባላት ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ድማ ኣብ ጎድኖም ብምዃን ዘድሊ ቴክኒካዊ ደገፋት ይገብሩሎምን ይከታተሎምን ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 5 መበል 27 ዓመት ቁ.148

2ይን ናይ መወዳእታን

ማህደር ጀጋኑጥዑምዝጊ ተስፋይ

በዓል ክልተ ብልሒ

ደንጎሎ ታሕታይ ምስ ዓቐበታ፡ ጥውይዋይ ጽርግያ መቐነታ፡ ብኣእላፍ ሰራዊት፡ ብዓይኒ ዓራት ኣፈሙዝ፡ ዘርኢ ምድሪ ነተጕቲ፡ ካብ ዝባን ክሳብ እግሪ፡ ምድራ ኣሺዅ፡ መንደቓ ተሪሩ፡ ሰማይ’ውን ሓሲሙ፡ እሳት ኣዝኒቡ፡ ነፈርቲ ኲናት ከም ጥሙይ ሽላ፡ ክንቆታ ከንቃዕርራ፡ ኣጽዋር ከጕርዕ፡ ሰማይ እናሃወኸ ንምድሪ ክትርብዕ፡ ዓለም ከተንቀጥቅጥ፡ ገለ ኣብ ዕጨ እምኒ፡ ገለ ኣብ ዝባን ነብሪ፡ ብቐትሩ እናጸልመት፡ ፍጡር እናተቐዝፈ፡ ሞት ቀረባ ከላ፡ ይቐርባ ብዝላ። ለምለም ሰሜናዊ ባሕሪ ምስ

ግመኡ፡ ቢኤምን መዳፍዕን ምስ ባሩዱ፡ ህዋ ምስ ተዘርገ፡ ፍጡር ምስ በርገገ፡ ንፋስ’ኳ ተለጢጡ፡ ደሃዩ ኣህጢሙ ተዋሒጡ፡ ዒግታን ሓመድን ምስ ኰነ ጾሩ፡ ሕመት ተኸዲኑ - ኣድማስ ጠቂሩ። ዓድዕለ ወጊኑ ጋሕተላይ ዘጽፈፈ፡

እግሪ ደንጎሎ ነኺሱ ላዕሊ ዘቋመተ፡ ክልተ ዓቐበት - ድርብራብ ዕርዲ፡ ንታሕታይ ሓዂሩ ክደግም ንላዕሊ፡ ኣፍ ፍርቂ መዓልቲ ጊንዳዕ ንኽቕልቀል፡ ንኸበሳ ከማዕዱ ኣስመራ ክግምገም፡ ምእንቲ ናጽነት፡ ኣገዲሙ ሂወት፡ ኣብ ቃጽዖ መሬት፡ እናኸፈለ ብጾት፡ ዕጡቕ ስረ፡ እናነጠረ - እናቐበረ፡ ኵነት እናኽጽንክር እናተረረ፡ ውሕድ እናኽብል መንፈሱ እናርበሐ፡ ብዘይደው ይቕጽል ንጽባሕ ዘይጽበ፡ ምስ ኣእላፍ ይገጥም ውሒደ ከይበለ። ክልተ ዝብልሑ ሴፍ፡ ኣብ ሸሸቶኡ

ንኽዓርፍ፡ ኣብ’ትን ኣብ’ትን፡ ኣብ ዝባንን መታሕትን፡ ብሓደ ስጕሚ ብማዕረ ህርመት፡ ብሓደ መትከል

ብሓደ እምነት፡ ኣብ ክልተ ወቕቲ - ኣብ ሓደ ቅናት፡ ንናጽነት - ንሓርነት፡ ንኽብሪ - ንመስዋእትነት፡ እቲ ሓደ ብጾቱ ኣሚኑ፡ እቲ ሓደ ዝባኑ ኣቕሲኑ፡ እጃሙ ይዓምም ከከም ዝምልከቶ፡ ካብ ባጽዕ ናብ ዝባን ነቲ ዓቢ ሸቶ።ኣብ ድሎ ብድሎ፡ ብዘይመድሎ፡

ነዛ ትንፋሱ ኣቐዲሙ፡ ዘይምኽኣል ኣሕሚቑ ይፍጽም ዕማሙ፡ ክሳብ ዝደርቕ ተጸንፊፉ ደሙ፡ ክሳብ ዘእክል ዝቕበር ኣብ ሪሙ፡ ኣየቋርጽን ጕያ፡ ንረጋጾ ፍትሒ ክገብረሎም መውረርያ። መዝሙሩ ናጽነት - ሕልሙ ናጽነት፡ ትምኒቱ ናጽነት - ጕዕዞኡ ናብ ናጽነት፡ ሕቶኡ ናጽነት - ጕያኡ ናብ ናጽነት፡ ይግባይ ዘይለመደ ናብ ሓንኳል መንጎኛ፡ ንሱን ርእሰ-እምነቱን ናይ መሰሉ ዳኛ፡ ዋላ ረመጽ ይከ’ዓዎ፡ መሬትን ሰማይን ይጽቀጦ፡ ተፈጥሮ ይፈታተኖ፡ ‘ሓያል’የ’ በሃሊ ይደንድኖ፡ ምድረ-ሰማይ ከም ገሃነም ትኹኖ፡ ላንጋ ላንጋ ኣይከውንን፡ ኣብ ምእማንን ዘይምእማንን ኣየንሰላሉን፡ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ቃልሲ ይፍኰስ ይምረር፡ ጸሓይ ትዕረብ ትብረቕ፡ ሰማይ ይስረብ ይድረቕ፡ ዓለም ትዙር ደው ትበል፡ ወቕቲ ይሃሉ ይቀየር፡ ወርሒ ትጥዐ ትሕመም፡ ኮኾብ ይድመቕ የጭለምልም፡ ሓንቲ እያ እምነቱ፡ ዘይትጠልም ብጸይቱ፡ ነዊሑ ሓጺሩ፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ዝኸፈለ ከፊሉ፡ ዝሰገረ ሰጊሩ፡ ከም ዝበጽሕ ኣብ ናጽነት፡ ከም ዝነብር ብኽብረት፡ ንሳያ እምነቱ፡ ናይ ሓዋሩ ደረቱ። ፈንቅል ኣብ ምድማቑ፡ ንሳ ነይራ

ሓሳቡ፡ ገና ኣብ ምብጋሱ፡ ንሳ ነይራ ስንቁ፡ የማነ- ጸጋም ጋሊሁ፡ ብማእከል በጒሉ፡ ንቚልቁል ኣቋሚቱ - ካብ ጋሕቴላይ ተሊሙ፡ ድግድግታ

ሓዂሩ - ንደማስ ለኪሙ፡ ተጐዝጒዙ ገማግም ባሕሩ፡ ክምርሽ ከሎ ብጐላጕሉ፡ ነይሩዎ ስንቂ - ዘየማትእ ሓቂ፡ እምነት ብእምነቱ፡ ወዝለቕለቕ ዘይፈቱ፡ ሰማይ እንከዝንብ ፋሺሽትን ናፓልምን፡ ምድሪ እንክትነጽግ ፈንጂን ቡምባታትን፡ ምስ ሞት እናገጠመ ብዕላማን ሓሞትን፡ ዓቕሚ እናወሰኸ ብምጽማምን ሓቦን፡ እምነትን ሞራልን፡ መትከልን ጽንዓትን፡ ይሕልን - ይውጥን፡ ይትግብር - ይፍትን፡ ይጣበብ - ይሓስብ፡ ትጥብብ ከሪሞም ይስዕሮም ብጥበብ።ደጐሊ ፈንጢሱ ገደም ተማሊኡ፡

ካብ ኣማተረን ዕዳጋን ጸሪጉ - ሓግሒጉ፡ እንክኹመሩ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ፡ ኣብ ከብዲ ባሕሪ ኣየእቱ ኣየውጽእ፡ ዕርዲ ምስ ኣትረሩ ኣብ ገዛእ ምድሩ፡ ዘራይ ምስ ኰኖም ገዛእ ባሕሩ፡ ጕያ ምስ ዓገቶ እቲ ዕጹው ማዕጾ፡ ረመጽ ምስ ጋረዶ ፍጡር ከም ዘይሰግሮ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይ ትንፋስ ስንብታ፡ ክሳብ’ታ ሸቶኡ ባጽዕ ብዓባያ፡ ክቕጽል ምዃኑ መጋርያ ሰጊሩ፡ ክፍንጥስ ምዃኑ ዝገበረ ገይሩ፡ እምነት ነይሩዎ፡ ንሱ ሓሊፉ ከም ዘርሕዎ፡ ጠኒኑ ብትብዓት፡ ናብ ቀጣን ስጋለት፡ ፈቲኑ ብጽንዓት፡ ተጠማጢሙ ምስ ሞት። ክሳድ ሓዝ ምስ በሉ፡ ባሕሪ ምስ

ኣመኑ፡ ባሕሪ ምስ ወገነ፡ ባሕሪ ምስ ጨከነ፡ ፈተነ ኣየቋረጸን፡ ‘ኣይክእሎን’ ኣይበለን፡ ምስ ኣጽዋር ተጋጭዩ፡ ኣብ ጽርግያ ወዲቑ፡ ኣብ ባሕሪ ጠሊቑ፡

እናተተኻኽአ - መንገዲ ኣፋሪቑ፡ ሕንክር ምስ በለ ኩነታት ከፊኡ፡ ንመስዋእቲ ምስ ኰነ ኩሉ ፈተነኡ፡ ‘በቃ፡ ነገር ተወዲኡ - ጕያ ጕያ ኣብቂዑ፡ መፈጸምታኡ ኣብ’ታ ጸባብ ኰይኑ፡ እንታይ ተረፈ ደጊም፡ ዛንታ ሳሊና ክድገም’ እናተወርየ፡ ምስ ኰነት ስጋለት ቀጣን፡ ጐደና ምውታን፡ ከም ኣፍ ሳርማ ምስ ጸልመተ፡ ምስ ጸበበ፡ ይፋጠጥ ነይሩ ሓየት፡ ደሙ ፈሊሑ ንእለት፡ ይሕርቅም’ዩ ነይሩ፡ እናጠመተ ባሕሩ፡ እናሻዕ እናሞተ ክረባብረብ ምስ ሞት፡ ነቲ መንገዲ ሞት፡ ኣትዩዎ ብትብዓት፡ ክልተ እዩ ምርጫኡ፡ ወይ ሸቶ ወይ መስዋእቱ፡ ወይ ሞት ወይ ክብረቱ፡ ዝሕጥ ኣይብልን ንመሬቱ። ስጋለት ቀጣን፡ ከም ሕንዛም

ተመን፡ ዘይትምሕር ኰይና፡ ስጕሚ ደቃ ኣሕጺራ፡ መላምል በሊዓ፡ ዋጋ ምስ ኣኽፈለት ማልስ ዘይርከበሉ፡ ሂወት ምስ ወሓጠት በደላ ዘይብሉ፡ ‘በቃ’ እናተባህለ ‘ኣኺሉ፡ ሻዕብያ ረብሪቡ፡ ካብ ሕሉፍ ከይመሃር ሓንጊዱ፡ ኣብ ቍራዕ ተጠጢቑ. . .’ - ንሱ ግን ተጣቢቡ፡ ምረት ከሕምቕ ተበላሒቱ፡ እቲ ጥበበኛ፡ ናይ መዋጥር ዳኛ፡ ኩሉምሉ ሓደ - መንፈሱን ልሳኑን፡ ዕላማኡን ጉያኡን፡ ወዲኑ ዝጓዓዝ ንሕንጻጽን ግብርን፡ ኣስንዩ ዘራኽብ መስርሕን ዕላማን። መዓስ’ሞ ይምለስ ሓንሳብ እንተ’ንቂዱ፡ ባጽዕ እንድዩ ነይሩ ንቕሎኡ፡ ኣብ ወደብ ክረግጽ ነይሩ ጕያኡ፡ ብኣጋ ዝተለሞ መዓልቦኡ፡ ዝበሎ ከይገበረ፡ ዓወት ከይተደረ፡ ከይሰዓረ - ከየግረዐ፡ ከመይ’ሉ ደው ክብል፡ ዘይነበሮዶ ክገብር። ስጋለት ተራር ዕርዲ፡ ካብ ከልኣት

መርገጺ እግሪ፡ ብልሓት ነይሩዎ፡ ኣብ’ቲ ጸቢብ እዋን ዝመሃዞ፡ ተበገሰ ደኣ፡ ባሕሪ ክጨድድ ብሴፉ፡ ማያት ክስንጥቕ ብኣኽናፉ፡ ስጋለት ቀጣን፡ ስጋለት ጨካን፡ ከም’ቲ ንዓኡ፡ ምስ ህጡር ትብዓቱ፡ ሂወቱ በሊዓ ምእታው ዝኸልኣቶ፡ ናተይ እናበላ ዝጓነየቶ፡ ኣፈፌታ ዓጽዩ፡ ብጭራኣ ኣትዩ፡ ነቶም ሰብ ውሻጠ መውጽኢ ከስእኖም፡ ባሕሪ ከም ዘይዓግቶ ኣርኪቡ ክነግሮም። ኣብ ጽርግያ ስጋለት ሓንሒኑ፡

ኣንፈቱ ናብ ርእሲ ምድሪ ቀይሩ፡

ከንሳፍፍ ኣብ ጽፍሒ ባሕሪ፡ ሞት ዝቐረባኡ ዘይብሉ መዕቀሊ፡ ጐሮሮ ዘየርዊ - ጨው በረኸቱ፡ ምሕረት ዘይፈልጥ - ዓሳ ሰራዊቱ፡ ንሓዲኡ ክኸዶ፡ ወይ ክብላዕ ወይ ክሰግር፡ ወይ ክወሓጥ ወይ ክሕንገር፡ ብጐደና ቀላጥ ባሕሪ፡ ክበጽሓ ርእሲ ምድሪ፡ ክጕጥጕጥ ጸላኢኡ፡ ክድምስስ ደመኛኡ።ዕጥቁ ሸጥ ኣቢሉ፡ ትሕዞኡ

ኣጽፊፉ፡ ፈጣናት ሰሪሩ፡ ንባዕሉ ፈጢኑ፡ ፈሊሙዎ ትሕዞ፡ ሓደገኛ ጕዕዞ፡ ኣብ’ቲ ዕራርቦ፡ ጸላም ዝጐልበቦ፡ ንሱ ንኽጠንን፡ ርእሲ ሰብ-ነገሩ ከድንን፡ ንገማግም ውሽጢ ባጽዕ፡ ብሓዊ ክግጭብ፡ ምስ ፈነወ ማሕታ፡ ደሴት ብደሴታ፡ ከም ጽሕዲ ልደት፡ ብልጭልጭ ምስ በለት፡ እንታይ ከም ዝሓሰበ እናሰላሰሉ፡ ጋን ኰይኑዎም ብልሓቱ ከጥልሉ፡ ስጋለት ኣሚኖም፡ ዕርዲ ተነጺፎም፡ ኣራእሶም እንክቐብሩ፡ ኣብ ስጋለት ኣትኲሮም ምጽኣቱ ከጥልሉ፡ ኣሻሓት ኣፈሙዝ እንከጻውድሉ፡ ስጋለት ግን ብጽምዋ፡ ብሒታ ንበይና፡ ሓየት ተሰዊሩ፡ ምስ ሰኣንዎ ኣሰሩ፡ ‘እንታይ’ዩ ነገሩ - ከመይ’ዩ ነገሩ፡ እንክበሃሃሉ፡ ሓርቢቱዎም ብልሓቱ፡ ብረቱ እናነቀወ ንሱ ምኽዋሉ፡ ‘ናይ ዓቕሊ ጽበት ደዀን. . .! እናበሉ፡ ኣምበላይ ተመን ድሮ ለሚሙ፡ ገምገም ረጊጹ ይሓኵር ነይሩ፡ ዝናብ ርሳሳት እናሰሓቶ፡ ጨብረቕታ ቡምባታት እናገጨቦ፡ ብያላ-ያላ ብተሎተሎ፡ ኣብ ቍርጻ ባሕሪ፡ ሓጺር መንገዲ፡ ይቐዝፍ ይሕንበብ፡ ደሃዩ ከይሰምዑ ምድሪ ንኽረግጽ። ብልሓቱ - ንእለቱ፡ ኩነታት

ለዊጡ፡ ንስጋለት ቀጣን ጸባብ-መጻብቦ፡ ብጾቱ ዝበልዐት ኣብ ግዜ እቶ-እቶ፡ ከም ተራ ጐደና፡ ከም ኩሉ ጽርግያ፡ ከምዘይመሓንቖ ናብ ውሻጠ ባጽዕ፡ መንገዲ ፈጢሩ ንዓኣ ዝትክእ፡ ዙርያኦም ብእሙኑ፡ ኣፈፊት እናቋመቱ፡ ሕጓ ተሰርሲሩ፡ ማያት ተደፊሩ፡ ኣብ ዝባኖም ሓየት ተዳህዩ፡ ድሕሪ’ዚ’ሞ፡ ንኣዳም ገረሞ፡ ‘ሰብ ኣይኰነን ኢሎሞ’፡ ስንባደን ሸበድበድን፡ ህድማን ቀምሽ ኣደይን፡ ንጉስ ኲናት ብጥበቡ፡ ውሽጢ ባጽዕ ሓጺቡ፡ ምስ መዲናኡ ምስ ህዝቡ - ተራኺቡ።

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 6 መበል 27 ዓመት ቁ.148

ጆሜ/ ደጀን ተኽለ

ደብዳበ ፍቕሪ

ካሌበይ፡ ከመይ ቀኒኻ? ካባይ ርሕቕ ምስ በልካ ልበይ ብኣኻ ምሕሳብ ክትጅምርን ክናፍቐካን ሓደ’ዩ ኰይኑ። ‘ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ’ ደኣ ከይትብለኒ’ምበር፡ ብፍቕርኻ ተረቲዐ። ሰብ እንክድቅስ ኣነ ግን ኣበሳ ጌጋታተይ ተደሚሩ ንምንባረይ ተሻምይዎ ኣሎ። መደባተይ ፋሕፋሕ ኢሉ ኣብ ሰንፈላል’የ ዘለኹ። እቲ ትማል ብዛዕባ ፍቕሪ ክተዕልለኒ ከለኻ ቅጭ ይመጸኒ ከም ዘይነበረ፡ ሕጂ ብኣንጻሩ ልበይ ንምቁር ቃላት ፍቕርኻ ክትሰምዕ ሃሪፋ ኣላ።ንስለ’ቲ ንዓይ ክትውንን ዝዘመርካዮን ዝተንበርከኽካሉን ቃል ፍቕሪ ክትብል፡

ንሕሉፍ ውሳነታተይ ዳግመ ግምት ግበረሉ። ንዘቕረብካለይ ተደጋጋሚ ፍቕራዊ ጠለባትካ፡ ነጺገዮን ጎስዮዮን’የ። ንናይ ሽዑ ገናሒ ኣጣምታይ ካብ ምቕላብ ሓሊፍካ፡ ካብ ምስልታትካ ኣርሕቆ። ‘ኣነ! ንዓኻ ዝኸውን ኣይኮንኩን፡’ ንዝብል ነጎዳዊ ምሕጽንታይ ከም ስዕረት ጸብጺብካ መአረምታ ሃበኒ። ኣቐይመካን ሪሒቐካን’የ። ናቱ ውጽኢት ድማ፡ ፍቕርኻ ናባይ ምስ ተገልበጠኒ ጽቡቕ ገይሩ በሪሁለይ’ዩ። ኣበሳ ጌጋታተይ ክቕንጥጥ ፋይል ቅሬታይ ተኾልኲለ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብንብዓት

ተሰንየ ጌጋይ ጸብጺበልካ። ነገራተይ ኣስደሚሙካ ተገሪምካ። ኢድካ ጠሚርካ ብዘይቃል ጠሚትካኒ። ሽዑ ምልኣት ገጽካ፡ ‘ዓይኒ ነባዕ ከዳዕ’ ዝብለኒ ዘሎ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ግብረይ በሊዑኒ ኣካላተይ ኣንቀጥቂጡ። እንተበልካኸ መዓስ ዘይግብኣኒ ኰይኑ?! ብጽባቐይ ተነይተ ንሕቶ ፍቕርኻ ጸማም እዝኒ ሂበዮ ዝሓለፍኩ’ኳ እየ።ኣብ ዓራት ብጣዕሳ ተበሊዐ ክገላበጥ ክውዕል፡ ነዛ ምትሳእ ስኢነ ኣለኹ። በጃካ!

ልበይ ከም ትማሊ ጨካን የላን። ንዓኻ ክትብል ዘይትኸፍሎ መስዋእቲ የብላን። እመነኒ፡ ተሰኒፈልካ ምህላወይ ብዘይሕብእብእ ክገልጸልካ እፈቱ። ልብኻ ዳግማይ ክፈተለይ’ሞ፡ ኣገልጋሊት ፍቕርኻ ብምዃን ክሳብ መጠረሽታ ዕምረይ ከሳስየካ’የ።

ብኑር ጀማል

ተሰኒፈልካ እየ

ሳይሞን፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነት ዘይጭነቕ ሰብ’ዩ። ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ብምንባሩ ከኣ ብመሳርሕቱ፡ ‘ወትሩ ሕጉስ’ እናተባህለ’ዩ ዝጽዋዕ። ብእወታዊ ኣተሓሳስብኡ ዝልለ ሳይሞን፡ በተን ኣብቲ ንሱ ዘካይዶ ቤት መግቢ ዝሰርሓ ኣአንገድቲ ፍቱው ሰብ ነይሩ፡፡ ብውልቃዊ ጉዳየን ይኹን ስርሐን ተጨኒቐን ጸገመን ንሳይሞን ኣብ ዘካፍላሉ ከኣ፡ እሱር ገጸን ተፈቲሑ ብፍሽኽታ’የን ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጻ።ዲርያ፡ ሓንቲ ካብ መሳርሕቱ’ያ። በቲ

ኩሉ ግዜ ንኹለን ሰራሕተኛታት ዝህበን ተስፋ ተነቓቒሓ ኣብ ሓንጐላ ዘይነበረ ብርቂ ሓሳብ ክቀላቐላ ጀመረ፡፡ ካብተን ዝወሃብኣ ደሞዝ ኣጠራቒማ ካብቲ ከም ኣአንጋዲት ኮይና ትሰርሓሉ ዝነበረት ትካል ወጺኣ ናታ ቤት መግቢ ክትከፍት ዝብል ሓሳብ ስለ ዝረበሻ ነቲ ሓሳብ ንሳይሞን ኣካፈለቶ፡፡ ‘ህይወት ብምርጫኻ’ያ ትምራሕ። ይኽእሎ’የ ዝብል እወታዊ ሓሳብ ካብ ሃለወኪ ይከኣል’ዩ። እዚ ሓሳብ’ዚ ጥራይ ወትሩ ብሓድሽ መንፈስ እናበራበርኪ ኣብ ቅድሜኺ ንዝመጹ ሽግራት ብእወታዊ ሸነኾም እናጠመትኪ ክትጓዓዚ እንተኽኢልኪ፡ ከም ትዕወቲ ኣይጣራጠርን’የ፡’ ብምባል ሞራለይ ዘበርኽ ምዕዶ ሃበኒ።ሓድሽ ቤት መግቢ ከፊተ ካብ ግዜ ናብ

ግዜ ናብራይ እናተማሓየሸ ክመጽእ ጀመረ፡፡ ምስ ሳይሞን ካብ ዘንራኸብ’ውን ኣዋርሕ ሓለፈ። ከም ወትሩ ኣብ ስራሕ ከለኹ ናይ ቀደም መሳርሕተይ ቴለፎን ደዊሎም ሳይሞን ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዎ ኣብ ሆስፒታል ኣትዩ ከም ዘሎ ሓቢሮምኒ። ንህይወተይ ናብ ዝተፈልየ ቅኑዕ ኣንፈት ዝመርሐ ሳይሞን፡ ብኽብሪ ዝዝክሮ ሰብ ምዃኑ፡ ዝገደፍኩ ገዲፈ ክበጽሖ ናብቲ ዝነበሮ ሆስፒታል ተበገስኩ። ሳይሞን ብኸቢድ ተጎዲኡ ኣብቲ ጽኑዕ

ምክትታል ዝግበረሉ ክፍሊ ተዓቝቡ ጸንሓኒ። ኣብ’ታ ክፍሊ ክኣቱ እንከለኹ ገጸይ ብስንባደን ድንጋጸን ተወሪሩ ነበረ። ናብ ሳይሞን ምስ ጠመትኩ ግን፡ እታ ካብ ገጹ ዘይትእለ ድምቕቲ ፍሽኽታ ኣይሰኣንክዋን። ካብ ዘይጽንቀቕ ተስፍኡ ተስፋ ሰኒቐ፡ ኮፍ ኢለ ከዕልሎ ጀመርኩ። ንሱ’ውን ፈለማ ናብ ሆስፒታል ክመጽእ እንከሎ፡ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገረኒ። ‘ናብዚ ሆስፒታል ምስ መጻኹ ኩሎም’ቶም ክኢላታት መጥባሕቲ ኣብ ጐድነይ ከቢቦም ክርእዩኒ እንከለዉ ካብ ገጾም ‘ክትመውት ኢኻ፡ ተስፋ የብልካን፡’ ዝብል መልእኽቲ የንብብ ነይረ። ብኣጠማምትኦምን ድንጋጺኦምን ፈሪሐ’ኳ እንተነበርኩ፡

ህይወት ምርጫ’ያ

ጸኒሐ ግን፡ ’ኖእ...ክነብር’የ’ ብምባል ምንባር መሪጸ። ጸኒሖም እቶም ሓካይም መጥባሕቲ ክገብሩለይ እናተቐራረቡ ሓደ ካብኣቶም፡ ‘ዝዀነ ኣለርጂ ኣለካዶ?’ ብምባል ተሸቚሪሩ ሓተተኒ። ‘እወ’ ብምባል መሊሰሉ፡፡ ‘ናይ ምንታይ?’ ምስ በለኒ፡፡ ‘ልሕጻጽ ናይ መኪና’ ኢለዮ፡፡ ኣብ

ናይ ዋዛ ኲነተ ኣእምሮ ብምንባረይ ፈለማ’ኳ እንተገረሞም ጸኒሖም ግን ብሰሓቕ ትዋሕ በሉ፡’ ብምባል ዋላ ኣብቲ ብቓንዛን እህህታን ዝተመልአ ክፍሊ መጥባሕቲ’ውን ምርጭኡ ሕጕስ ህይወት ምዃኑ ኣዕሊሉኒ፡፡ምንጪ፡- motivational stories.com

ኣብ ጫካታት የለውድ-ኢንዲያና፡ ሓደ ዓቢ ዓረ ኣብ መንጎ ሰለስተ ጨናፍር ናይ ሓደ ግዙፍ ገረብ (Oalc tree) ተቓቒሩ ይርከብ። እቲ ዓረ ካብ መሬት ኣስታት

ንጋድም1. ኣብ ገጠር ዝስራሕ ስራሕ4- ኣፍኮሰ፡ ኣየሩ ኣውጽአ7. ላም ክረብሕ ከሎ9. ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጽንብል10. መሓድሮ ከብቲ ወይ ማል11. መንግስተ ሰማይ13. ሕጊ፡ መምርሒ15. ንኣምላኹ ኣምለኸ17. ጥዑም ዝሽትኡ ከም መመቀሪ

ኣብ ፓስታ ዝኣቱ19. ኣመዓራረየ፡ ኣመሓየሸ21. ኣዕነወ፡ ኣብረሰ23. ኣብ ማይ ተቐመጠ27. ቀልቀል ከብቲ28. ድቂ ዝሓዘት ላም30. ብሰንኪ ርስሓት ካብ ዝመጹ

ሕማማት32. ምሉእ ሓሳባት ዘቑሙ34. ብፍጹም ምባል፡ ቶባእ ምባል36. መስርሒ ገዛ ዝኸውን ጥረ ነገር38. ሳዕስዒት41. ኣብ መንጎ ክልተ ዝግበር ናይ

ዝርርብ ውድድር43. ንጽሑፍ ብውሽጥኻ ምድጋም44. ስም ጓል ኣንስተይቲ46. ቅዲ፡ ታክቲክ47. ዝሓሰብካዮ ምስማር፡ ዕላማኻ

ምውቃዕ49. ህይወት፡ ንኽትነብር እትጽበዮ50. ንኣደይ ሓብታ51. ኣላይና፡ ካባና ዝዓቢ ሓብሓቢና53. ፍትሓዊ፡ ትኽኽል፡ መጠነኛ54. ስጐግ፡ ንዮው በሎ፡ ኣርሕቆ55. ከብቲ ዝሕሉ

ንትኹል1. ውላድ ጤል2. ጋርድ፡ ከልክል3. ካብ ሃገርኻ ወጺኻ ምንባር4. ዘሐጒስ ዜና ነገረ5. ካልእ ግዜ ከምዘይደግም ኰነ6. መዓልቲ ሰማእታትና ዝኽበረላ

ወርሒ8- ኩርዓት12. ብርትዐ፡ ጥንካረ14. ንመስርሒ ክዳን ዝኸውን16. ክፈልጥ ሞኾረ18. ምንኣስ ክልተ19. ወልፊ፡ ልምዲ20. ካብ ክፋላት ኢድና21. ማሕበርተኛታት፡ ደቂ ማሕበር22. ቀይሕ ፈሳሲ ኣካልና24. ቀንዲ25. እውን፡ ድማ26. ንኣድጊ ክንሰጒግ እንብሎ27. ኣብ በረኻ ካብ ዝበቑሉ ኣትክልቲ29. ገረብ31. ህዱእ፡ ጠባየኛ፡ ስርዓት ዘለዎ33. ካብ ማዕረግ ሓደ35. ብጻይነት፡ ምሕዝነት (ምፍጣር)37. ሓኾት ምባል፡ ምስራሕ39. ንሱ ሂቡል ንሳ ____40. ድፍረት፡ ፍርሂ ምውጋድ41. ካብ ገጠራዊ ናብ ከተማ ምቕያር42. ሕንጻጽ ንምስራሕ እንጥቀመሉ45. ጫቑጫቚ፡ ዕግርግር48. ኣጥረየ፡ ከምዝህልዎ ገበረ50. መብሰሊ መግቢ51. ካባና ንዝዓቢ እንጽውዓሉ52. ኣብ ባሕሪ ዝርከብ ፍጡር

ሕቶ እተመሳቐለ ቃላትመም ያቆብ መርሃዊ (ጃክ)

ኩርናዕ ካሜራ

10.5 ሜትሮ እዩ ተንጠልጢሉ ነይሩ። እቲ ናይ ርእሲ ኲናት ቅርጺ ዘለዎ ዓረ ክብደቱ 227 ኪ.ግራም እዩ ተገሚቱ። ብዘይካ’ዚ ኣርባዕተ ካልኦት ዓበይቲ

ዓረታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዓበይቲ ኣግራብ ተሰቒሎም ተረኺቦም’ዮም። እቲ ዝተረኽበሉ ቦታ ካብ ከተማ ኣዝዩ ዝረሓቐ’ዩ። ካብ’ተን ደንጐላ ተሰቒልወን ዝተረኽባ ኣግራብ፡ ዋላ ሓንቲ’ኳ ዝተላሕጸጸት የብለንን። ኣብቲ ከባቢ’ውን፡ ናይ ዝዀነ ከበድቲ መሳርሒታት ኣሰር ኣይተረኽበን። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣኻውሕ ክፍንቅል ኢሉ ሚና (diynamite) ተጠቒመ ዝብል ሰብ ኣይተረኽበን። ኩሉ’ቲ ከባቢ ተፈቲሹ ድማ፡ ናይ ሚና ምልክት ኣይተረኽበን። መን ደኣ’ሞ ሰቒልዎ ክኸውን ይኽእል? እቲ ገረብ እናዓበየ ክኸይድ እንከሎ ተሸኪምዎ ዝመጸ’ዩ ከይበሃል፡ ኣብ’ቶም ኣግራብ ዝዀነ ናይ ምጥንባቚ ምልክት የለን፡፡ እቲ ዝገርም ክሳብ ሎሚ ብልሓቱ ዘይተፈልጠ ብምዃኑ’ዩ።

ብልሓቱ ዘይተፈልጠ

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 7 መበል 27 ዓመት ቁ.148

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 8 መበል 27 ዓመት ቁ.148

ሺሃብ ኣርኣያ

ትስፉው ምዃን፡ ካብ ወሰንቲ ረቛሒታት ሕጕስ ህይወት’ዩ። ገለ ሰባት ንህይወት ብተስፋ ብምጕዓዝ፡ ኣብ’ቲ ድቕድቕ ጸላም ጩራ ብርሃን ክሰዅዑ እንከለዉ፡ ገለ ኣብ’ቲ ውጹእ ብርሃን ኩሉ ይጽልምቶም። ንስኻኸ ከመይ ኢኻ፡ ምስ’ቶም ትስፉዋትዶ ምስ’ቶም “ሱቕ ኢልካ’ዩ” በሃልቲ።ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ብቕንዕና

ብምምላስ ንነብስኻ መርምራ።1/ ኣብ ስራሕካ/ቤት ትምህርትኻ ህያባት

ክዕደል ምዃኑ ሰሚዕካ (ሀ) በዚ ኣይትግደስን (ለ) ካብ’ቶም ዝበጽሖም ክትከውን

ትምነ (ሐ)ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ንኻልኦት

ትሓትት (መ) “ክንደይናይ ከይበጽሓኒ” ትብል

2/ ብሽርክነት ዝጀመርካዮ ንኡስ ንግዲ ዘይዕወት ኰይኑ ምስ ዝስማዓካ (ሀ) ነጻ ኰይንካ ርእይቶኻ ትገልጽ (ለ) ኣብ መጻኢ ከም ዘይትቕጽል

ትእምት (ሐ) መመኽነይታን ብኩራትን

ብምብዛሕ ተንሳሕብ (መ) “ዕድለኛ ኣይኰንኩን” ብምባል

ምስ ነብስኻ ተማርር3/ እቶም ህርኩታት ክሽለሙ ምዃኖም

ሰሚዕካ (ሀ) ብዙሕ ኣይትግደስን (ለ) ነቲ ዘረባ ከተረጋግጽ ትጓየይ (ሐ) ፍርሂ ይስማዓካ (መ) ትርበሽ4/ ሃንደበት ሓደ ካብ ኣባላት ስድራ-

ቤትካ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ (ሀ) ሓካይሙ ብምውካስ ኩነታቱ

ብቀረባ ትከታተል (ለ) ንሞራሉ ሓፍ ከተብል ትጽዕር (ሐ) ትርበሽ። ንምርባሽካ ግን

ኣይተርእን (መ) ትሕዞን ትጭብጦን ይጠፍኣካ።

ሓገዝ ካልኦት ትሓትት5/ መቕርብካ ካብ ስራሑ ክይባረር

ስግኣት ከም ዘለዎ ሓቢሩካ (ሀ) ለውጢ ኣገዳሲ ምዃኑ

ተዘኻኽሮ (ለ) “ምስ ኰነ ተርክበሉ” ትብሎ (ሐ) ብዛዕባ ካልኦት ኣማራጺታት

ስራሕ ትሕብሮ (መ) ብዛዕባ መጻኢኡ ትጭነቕን

ትፈርህን6/ ዓርክኻ ገጽ ይኸልኣካ ከም ዘሎ ምስ

እትጥርጥር (ሀ) ነቲ ጉዳይ ከየካበድካ ትርእዮ (ለ) ካብኡ ክትርሕቕ ትፍትን (ሐ) ነዚ ንምርግጋጽ ህድእ ኢልካ

ትሓቶ (መ) “ከም’ዚ ክገብረኒ ኣይግባኦን”

ብምባል ኣመና ትሓርቕን ተንጸርጽርንዝበዝሐ ምርጫኻ (ሀ) ምስ ዝኸውን፡ ኣዚኻ ትስፉውን፡ ዘይትጭነቕን ሰብ

ኢኻ። ንበዳሂ እዋን ምሉእ ተስፋ ብምስናቕ ከይተረበሽካ ስለ እትሰግሮ፡ ብዙሓት ከም ኣብነት ይጥምቱኻን ኣብ ጥቓኻ ብምዃን ውሕስነት ይስማምዖምን።ዝበዝሐ ካብ ምርጫኻ (ለ) ምስ

ዝኸውን፡ብሓፈሻኡ ትስፉውን ንኻልኦት ተስፋ

እትህብ መተባብዒን’ኳ እንተዀንካ፡ ኣብ ገለ እዋን ግን፡ ኣብ’ቶም ንዓኻ ዝምልከቱ ጉዳያት ንነገራት ተካብዶም ኢኻ። ተስፋ ናይ ምቑራጽ ምልክታት ከኣ ከተርኢ ትጅምር። ንሽግራትካ ከም ሽግራት ካልኦት ገይርካ ምስ እትጥምቶም ብተስፋ ክትገጥሞም ከኽእለካ’ዩ።ዝበዝሐ ካብ ምርጫኻ (ሐ) ምስ

ዝኸውን፡ኣብ በዳህቲ እዋናት ትስፉው’ኳ

እንተዀንካ፡ ኣብ ንኣሽቱን ሓለፍትን ነገራት ግን ተስፋ እትቘርጽ ሰብ ኢኻ። እቲ ጠንቂ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ብስምዒትካ ስለ እትምራሕ’ዩ። እዚ ባህሪ ንነገራት ብወዓዊ መንገዲ ንኸይትጥምቶም ይዕንቅፈካ። ነዚ ንምፍታሕ መዓልታዊ ንፍርቂ ሰዓት ናይ እግሪ ጉዕዞ ምክያድን’ ኣብ ኣትክልቲ ዘለዎ ቦታ ምንፋስን ክሕግዘካ’ዩ።ዝበዝሐ ካብ ምርጫኻ (መ) ምስ

ዝኸውን፡ኣብ ተስፋን ለውጢን ዘይትኣምን

ብምዃንካ፡ ወትሩ ትጭነቕን ትርበሽን። ንነገራት ልዕሊ እቲ ሓቀኛ ምስሎም ስለ እትጥምቶም ከኣ፡ ምስ ተስፋ ዝተኣሳሰሩ ምኽሪታት ክትሰምዕን ንጸገምካ ክትቅበልን ኣይትደልን። ተስፋ ዘስንቑ ጽሑፋትን ምኽሪ ካልኦትን ምውካስ ከድልየካ’ዩ።

ትስፉው ዲኻ

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጆርጅ ሃሪሶን፡ ነታ ዝውንና ዝነበረ ግራት “ኣይትፈርንያ” ብምባል፡ ንሓደ ትካል ዕደና ብ10 ፓውንድ ሸጠሉ። እቲ ትካል ነቲ ቦታ ምስ መርመሮ፡ ብማዕድን ወርቂ ኣብ ዓለምና ካብ’ቶም ቀዳማይ ደረጃ ዘለዎ ምዃኑ ከረጋግጽ ክኢሉ። ጆርጅ በቲ ዝፈጸሞ ጌጋ ተጣዒሱ፡“ብኻ ዘረባ ሰበይተይ ሰሚዐ” እናበለ’ዩ ካብ’ዛ ዓለም ብጓሂ ተፈልዩ።ኣብ 1696ዓ.ም፡ ጆ ቪንዝ ዝተባህለ

እንግሊዛዊ ሰራሒ ባኒ ነታ ወሊዑዋ ዝነበረ ሽምዓ ከየጥፈአ ስለ ዝደቀሰ፡ ብሰሪ’ታ ሽምዓ ኣብ ቤቱ ዝጀመረ ባርዕ ሓዊ ናብ ጎሮባብትን ካልኦት ኣባይትን ስለ ዝላሓመ፡ ህይወት ኣሽሓት ዝለከመን ፍርቂ ከተማ ሎንደን ዝተቓጸለትሉን ሓደጋ ባርዕ ኣጋጠመ። እቲ ዘገርም፡ ጆ ቪንዝ ዝዀነ ጉድኣት ኣይወረዶን።ኣብ 1347ዓ.ም፡ ሰለስተ ኣናጹ ናብ’ታ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ቻይና ደው ኢላ ዝነበረት ኢጣልያዊት ንግዳዊት መርከብ ኣተዋ። ሓላፊ ጽርየት’ታ መርከብ ንሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ጽርየት ነተን ኣናጹ ክቐትለን ሓበሮ። እቲ ህኩይ ሰራሕተኛ ግን፡ ከም’ቲ ዝተባህሎ ኣይገበረን። እታ መርከብ ናብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምላሳ፡ ኣብ ወደብ መሲና’ያ ኣዕሪፋ። እተን ኣናጹ ከኣ ናብ’ታ ከተማ ብምእታው፡ ነቲ ኣቐዲመን ካብ ቻይና ዝተማለኣኦን ንልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ቻይና ዝለከመን ለበዳ፡ ናብ’ታ ከተማ ፈነዋኦ። ብሰንኪ’ዚ ጌጋ ድማ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኤውሮጳ ለኪሙ።

ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣጸያፊ ዘረባታት ምዝራብ ነውሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሕጊ’ውን የሕትት’ዩ። ኣብ ካናዳን ቨርጂንያን ዝዀነ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣጸያፊ ዘረባ ምስ ዝዛረብ 250 ዶላር ዘቕጽዕ ሕጊ ኣሎ። እዚ ሕጊ ኣብ 1860ዓ.ም እዩ ብግብሪ ጸዲቑ። ኣብ’ቲ እዋን ዝነበረ መጠን መቕጻዕቲ 1ዶላር እዩ ነይሩ።ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ንግስቲ’ታ

ሃገር ኣብ ሓደ መኣዲ ኮፍ ኢልካ እናበላዕካ ቀዲምካያ ክትጸግብ ኣለካ’ምበር፡ ንሳ ጸጊባ ምስ እትትንስእ ካልእ ሰብ ብድሕሪኣ ኣብ’ቲ መኣዲ ክበልዕ ኣይግባኦን’ዩ።ኣብ መብዛሕቲአን ሃገራት ዓረብ

ጋዜጣታት እንትርፎ ንምንባብ ንኻልእ መዓላ ምውዓል ክልኩል’ዩ። እተን ጋዜጣታት ሃይማኖታዊ ጽሑፋትን ምስሊ መራሕቲ ስለ ዘለወንን፡ ብጋዜጣ ገይርካ

ኣገረምቲ ሕግታት

ብሂል ለባማት“ኣብ ሕሉፍ ምጕዓዝ ናብ ዝዀነ

ቦታ ኣየብጽሓካን’ዩ” ማክሲም ጎርኪ“እቲ ሓቀኛ መኽሰብ፡ ናይ ረብሓ

ኣዕሩኽ ምኽሳር’ዩ” ዊል ስሚዝ“ንሓንቲ ካልኢት ሕርቃንካ ምስ

እትቆጻጸር፡ ካብ ናይ ዓመት ጣዕሳ ትገላገል” ምስላ ቻይና“ኣነ ጥራይ ኣይኰንኩን ስንኩል።

ኩሉ ሰብ ስንክልና ኣለዎ። ፍርሂ፡ ጽልኢ፡ ምጥርጣር፡ ሕፍረት፡ ትዕቢት ስንክልና ስለ ዝዀነ” ኒኮላስ ቮግሲክ“ልዕሊ ሕሉፍ መጻእየይ’ዩ ዝያዳ

ዘገድሰኒ። ኣብኡ ክነብር ብምዃነይ” ኣይነስታይን

“መልሓስ ለባም፡ ድሕሪ ልቡ’ያ። ልቢ ዓሻ ድማ ድሕሪ መልሓሱ ትርከብ”

ጋንዲ

ኣብ ዓለምና ብዙሓት ዓይነታት “ፎብያ” ወይ ድማ ዘይንቡር ተርእዮ ፍርሂ ኣለዉ።ኣብ’ተን ዝማዕበላ ሃገራት ብፍላይ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ሓዲሽ ዓይነት ፎብያ ይቕልቀል’ዩ። Nomophobia ድማ ሓደ ካብኡ’ዩ። እንተዀነ ግን፡ እዚ ፎብያ ኣብ’ተን ዝማዕበላ ጥራይ ዘይኰነስ ዋላ’ውን ኣብ’ተን ብልምዲ ሳልሳይ ዓለም እናተባህላ ዝጽዋዓ’ውን ግኑን ዓይነት ፎብያ’ዩ።ሞባይሎም ክትወድቕ እንከላ ልቦም

ስቱኽ እትብሎምን፡ ኣብ ገዛ ምስ ዝርስዑዋ ምሉእ መዓልቲ ሸቐልቀል ዝብሉን ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኦም ምስ እትኸውን “ፎብያ ሞባይል” ወይ ድማ Nomophobia ብዝባሃል ዓይነት ፎብያ ተጠቒዕካ ከም ዘለኻ ክኢላታት ይሕብሩ።Nomophobia፡ ነቶም ሞባይሎም

ንብረት ምጥቕላል የሕትት’ዩ።ኣብ ክፍሊ ሃገር ኣይዋ፡ ሞቶር መኪናኻ

ወሊዕካ ብዘይሓለዋ ገዲፍካ ምስ እትኸይድ፡ ንስርቂ ትዕድም ስለ ዘለኻ ብሕጊ ትሕተት ኢኻ።ኣብ ኣዘርቢጃን፡ ብዘይፍቓድ ንዝዀነ

ነገር ብሞባይልካ ምስኣል፡ ዋላ’ውን ኣብ’ተን ዝተዓደምካለን ውራያት ብሕጊ የቕጽዓካ’ዩ።

ከምዚ’ውን ኣሎ

ከይስእኑ ክቱር ፍርሂ ዘለዎም ሰባት ዘጥቅዕ ዓይነት ፎብያ እዩ።ሞባይልካ ምስ እትርስዕ፡ ወይ’ውን ባትሪ

ምስ እትውድእ “ኣገዳሲን፡ ወሳኒን ጻውዒት ክሓልፈኒ’ዩ” ብምባል ኣደዳ ፍርሂን ራዕዲን ሸቐልቀልን ምስ እትኸውን ብምልክታት’ዚ ፎብያ ተጠቂዕካ ምህላውካ’ዩ ዝሕበር።“ብዙሓት፡ ብዘይ ሞባይል፡ ህይወት

ክትረግእ ከም ዘይትኽእል’ዮም ዝኣምኑ። ገለ ሞባይሎም ክትወድቕ እንከላ እቲ ዝስምዖም ስንባደ፡ ልዕሊ’ቲ ውላዶም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክስጣሕ እንከሎ’ዩ። ካልኦት ድማ ህላወ ሞባይሎም ንምርግጋጽ ጸጸኒሖም ሃሰስ ይብሉዋ። ካብ’ዚም ምስ እትኸውን ሓገዝ ሕክምና ምሕታት ከድልየካ’ዩ” ይብሉ ኣለዉ፡ ክኢላታት ስነ-ልቦና።

ንምኽሪብዙሕ ግዜ ኣካላት ህጻናት ደቅና ኣብ እንሓጽበሉ እዋን ብፍላይ ርእሶም፡ ሳምናን

ሻምፖን ኣብ ዓይኖም ስለ ዝኣትዎም፡ ከዕገርግሩን ምሕጻብ ክኣብዩን ይርኣዩ’ዮም።ከም’ዛ ኣብ’ዛ ስእሊ ዘላ ቆቢዕ ብቕልል ዝበለ ኣገባብ ብምስራሕ፡ ዘተኣማምን ፍታሕ

ክትኰነና ትኽእል’ያ። ንፈትና። ብጽቡቕ ምስ እነዳልዋ ድማ፡ ሸይጥና ክንረብሓላ ከም እንኽእል ኣይንዘንግዕ።

ታሪኻውያን ጌጋታት

ምስጢራት ቁጽሪ

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 9 መበል 27 ዓመት ቁ.148

ኤርምያስ ገብረልዑል [email protected]

ውድድራት ስፖርት ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ቀጺሉብምኽንያት ናይ ቀዳማይ ሰሚስተር

ፈተና ተቛሪጹ ዝጸንሕ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንጥፈታት ስፖርት ዞባ ማእከል ክሊ ዕድመ 16ን ልዕሊኡን ብሰንበት ምቕጻሉ ተሓቢሩ፣

ብመሰረት ዝተረኽበ ጸብጻብ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ፥ ኢሳቕ ተወልደመድህን ንኣዱሊስ 4ብ1፡ ሰማእታት

ንኢብራሂም ሱልጣን 1ብ0፡ ሓላይ ንማይ ነፍሒ 2ብ0 ክስዕረአን እንከለዋ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ፥ ቀይሕ ባሕሪ ንዲያእ 5ብ1፡ ኢሳቕ ተወልደመድህን ንጻዕዳ ክርስትያን 5ብ0፡ ደምበ ሰምበል ንኣዱሊስ 4ብ1፡ ልምዓት ንሰሓርቲ 3-0፡ ኢብራሂም ሱልጣን ንሰማእታት 5ብ1 ስዒረንአን፣

ኣብ ጸወታ ኩዕሶ መርበብ ደቂ ኣንስትዮ፥ ሰማእታት ንልምዓት፡ ኢብራሂም ሱልጣን ንሰሓርቲ ብተመሳሳሊ ውጽኢት 2ብ1 ክረትዕን እንከለዋ፡ ማይ ነፍሒ ንሓላይ፡ ዲያእ ንደምበሰምበል፡ ቀይሕ ባሕሪ ንኣዱሊስ ድማ ብተመሳሳሊ 2ብ0 ኣፋንየንአን፣

ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ደቂ-ተባዕትዮ ደምበ ሰምበል ንዲያእ፡ ቀይሕ ባሕሪ ንኣዱሊስ፡ ኢብራሂም ሱልጣን ንሰሓርቲ፡ ደቕሰብ ንርእሲ ዓዲ ብተመሳሳሊ ውጽኢት 2ብ0 ስዒረንአን፣

ኣብ ውድድር ኵዕሶ ሰኪዔት ደቂ ኣንስትዮ፥ ባርካ ንማርኮኒ 25ብ24 ቅድስቲ ማርያም ንኣስመራ ሓፈሻዊ 26ብ11 ኣሰኒፈንአን፣ ኣብ ውድድር ደቂ-ተባዕትዮ ባርካ ንቕድስቲ ማርያም 50ብ45፡ ማርኮኒ ንሰምበል 43ብ14፡ ሓርነት ንኣስመራ ሓፈሻዊ 30ብ23 ስዒረንአን፣

በዚ መሰረት ድማ ኣብ መንጎ 24 ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰለስቲኡ ውድድራት ብኽልቲኡ ጾታ ናብ ርብዒ ፍጻመ ዝሓለፋ ኣብያተ ትምህርቲ እዘን ዝስዕባ እየን፣

ኣብ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ፥ ቤት ትምህርቲ ሰምበል፡ ኣስመራ ሓፈሻዊ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኢሳቕ ተወልደመድህን፡ ሰማእታትን ሓላይን ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ቤት ትምህርታት ባርካ፡ ሰምበል፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኢሳቕ ተወልደመድህን፡ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ልምዓት፡ ኣስመራ ሓፈሻዊን ሓርነትን እየን፣

ኣብ ኵዕሶ መርበብ ደቂ ኣንስትዮ፥ ባርካ፡ ቅድስቲ ማርያም፡ ደምበ ሰምበል፡ ዲያእ፡ ማይ ነፍሒ፡ ሰማእታት፡ ሓርነት፡ ቶኮር ክኾና እንከለዋ ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ፡ ባርካ፡ ሚናበ ዘርኣይ፡ ኢሳቕ ተወልደመድህን፡ ደምበ ሰምበል፡ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ሓላይ፡ ቶኮርን ደቕሰብን እየን፣

ኣብ ኵዕሶ ሰኪዔት ብደቂ ኣንስትዮ፥ ባርካ፡ ቅድስቲ ማርያም፡ ሰማእታት፡ ልምዓት፡ ደምበ ሰምበል፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ማርኮኒ፡ ባርካ፡ ሰማእታት፡ ልምዓት፡ ኢሳቕ ተወልደመድህንን ደምበ ሰምበልን እየን፣

መደብ ጸወታሎሚ

ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ

ቸልሲ - ባርሴሎና

ባየር ሙኒክ - በሺክታስ

ክልቲኡ ግጥም ካብ 10፡45 ምሸት

ጀሚሩ ክካየድ እዩ

ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2018 ኮይኑብቕድሚ ትማሊ ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክለታ ሻምፕዮን

ኣፍሪቃ፡ ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ዕዉት ናይቲ ጸወታ ብምዃን ጋማ ሻምፕዮን 2018 ኣሲሩ፣

ኣብዚ ዓመት’ዚ ናብ ደረጃ ፕሮፈሽናል ብምድያብ ኣብ ጎድኒ እቶም ማርክ ካቨንድሽ ዝርከቦም ተቐዳደምቲ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ብሉጽ ብቕዓት ከርኢ ዝኸኣለ ኣማኑኤል፡ ነቲ ናይ 156 ኪሎሜተር ውድድር ኣብ ሰዓት 39. 58 ኪሜ እናተሓምበበ እዩ ፈጺምዎ፣ ነዚ ድማ እዚ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣቐዲሙ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ንተቐዳደምቲ ማሕዲጉ ብምኻድ ናይ ደቒቕን 53 ካልኢት ግዜ ፍልልይ ብምንጻፍን ንውድድሩ ከኣ ብ3 ሰዓትን 56 ደቒቕ 29 ካልኢትን ብምፍጻምን እዩ ኣተግቢርዎ፣ ካልእ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መትከል ኢዮብ ካብ ኣማኑኤል፡ ደቒቕን 53 ካልኢትን ድሒሩ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ክኸውን ከሎ፡ ምስኡ ቮልታ ዘካየደ ኣልጀርያዊ ዓዘዲን ላቓብ ድማ ሳልሳይ ኮይኑ ተሸላሚ ነሓስ መዳልያ ኮይኑ፣

መኽሰብ ደበሳይ ድማ ራብዓይ ተርታ ክሕዝ እንከሎ፡ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሻውዓይ ተርታ ብምሓዝ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዑ፣ ተስፎም ዑቕባማርያም መበል 20፡ ሳይሞን ሙሴ መበል 26 ተርታ ብምሓዝ ንውድድሮም ክፍጽሙ ከለው፡ ሜሮን ተሾመን ኤልያስ ኣፍወርቂ ግና ንውድድሮም ክፍጽሙ ከምዘይከኣሉ ፕሮሳይክሊንስታትስ ገሊጻ፣

ኣብ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት፡ ዉሩይ ሩዋንዳዊ ተቐዳዳማይ ጆሴፍ ኣረሩያ እዩ ተዓዊቱ፣ ኣብ ብሉጽ ኣቃውማ ዝጸንሐ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ኣብዚ ቅልስ’ዚ ንኣሩርያ ተኸቲሉ ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ኮይኑ፣ ሩዋንዳዊ ዲድየር ሙንያኔዛ ከኣ ተሸላሚ ነሓስ መዳልያ ብምዃኑ ናብ ፖድየም ደይቡ፣

ብዘይካ’ዚ . . .+ ኣብ ፒዮንግቻንግ ደቡብ

ኮርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሉ ዝወዳደር ዘሎ መንእሰይ ሻኖን ኦግባኒ ኣበዳ ናብ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ዘካየዶ ውድድር፡ መበል 58 ተርታ ሒዙ፣ ኣብዚ ስሙያት ኣትለታት ምንሽርታት በረድ ዝተሳተፉሉ ናይ ጂያን ስላሎም ዝተባህለ ዓይነት ውድድር፡ ሻኖን ካብ ዕዉት ናይዚ ውድድር ዝኾነ ኦውስትሪያዊ ብ21 ካልኢታት ድሒሩ መበል 58 ተርታ ሒዙ ንውድድሩ ፈጺሙ፣ ወዲ 22 ዓመት ሻኖን ኣብ ቦኽሪ ሱታፌኡ ነዚ ደረጃ ብምብቅዑ ብሓያለ ተንተንቲ ናእዳ ረኺቡ፣ ሻኖን ዝስዕብ ጸወታኡ ጽባሕ እዩ፣

+ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ብርሃነን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ዙር ዖማን ትማሊ ሰንበት ተዛዚሙ፣ ኣብዛ ናይ መወዳእታ መድረኽ፡ ን135.5 ኪሎሜተር፡ ተቐዳደምቲ ኣብ ሰዓት 42.46 ኪሜ እናረገጹ እዮም ብሓባር ንውድድሮም ፈጺሞም፣ ተቐዳዳማይ ክለብ ኢማራት ኖርዌጃዊ ኣሌክሳንደር ክሪስቶፍ ንውድድሩ ብ3 ሰዓትን 11 ደቒቕን 29 ካልኢት ብምፍጻም ዕዉት ናይዛ መድረኽ ኮይኑ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክለብ ዳይመንሽ ዳታ መርሃዊ ቅዱስ ካብ ዕዉት ግዜ ከይከሰረ

መበል 20 ተርታ ክሕዝ እንከሎ ናትናኤል ብርሃነ ብተመሳሳሊ ግዜ መበል 49 ደረጃ ብምሓዝ ንውድድሩ ዛዚሙ፣ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና ኣሌክሲ ሉታሴንኮ ንዙር ዖማን 2018 ብ22 ሰዓትን 49 ደቒቕን 50 ካልኢትን ክዕወተሉ እንከሎ፡ ወዲ ጋንታኡ ኣንገል ሚጌል ሎፐዝ 11 ካልኢት ድሒሩ 2ይ፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ባሕሬን መሪዳ ጎርካ ኢዛኢረ ከኣ 28 ካልኢት ድሒሩ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ናብ ፖዲየም ደይቡ፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳሜንሽን ዳታ መርሃዊ ቅዱስ ካብ ዕዉት ደቒቕን 49 ካልኢትን ድሒሩ ታሽዓይ ደረጃ ብምሓዝ ንውድድሩ ምስ ቀዳሞት 10 ኮይኑ ክዛዝም እንከሎ፡ ወዲ ጋንትኡ ናትናኤል ካብ ዕዉት 5 ደቒቕን 45 ካልኢትን ድሒሩ መበል 23 ደረጃ ኮይኑ፣ ብነጥቢ ኣውስትራልያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ካቱሻ ኣልፓሲን ናታን ሃስ 38 ነጥቢ ብምእካብ ተዓዊቱ ኣሎ፣ ኣብ ናይ መንእሰያት ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና ኣንገል ሎፐዝ ብ22 ሰዓትን 50 ደቒቕን 1 ካልኢትን ክዕወተሉ እንከሎ፡ ናይ ዋንቲ ክሪስትያን ኤኪንግ ደቒቕን 13 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ፡ መርሃዊ ቅዱስ ከኣ ደቒቕን 18 ካልኢትን ድሒሩ ሳልሳይ ኮይኑ፣ ክለብ ኣስታና ንዙር ዖማን 2018 ብጋንታ ተዓዊታትሉ ትርከብ፣ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ካብዛ

ክለብ ብ9 ደቒቕን 39 ካልኢትን ድሒራ ታሽዐይቲ ኮይና፣

+ ኣሰልጣኒ ክለብ ቸልሲ ኣንቶንዮ ኮንተ፡ ክለቡ ነዚ ሎሚ ምሸት ምስ ባርሴሎና ንእተካይዶ ግጥም ቅድሚ ወርሒ ኣቢላ ልምምድ ምጅማራ ተዛሪቡ፣ እቲ ኢጣልያዊ ዓላሚ፡ ንባርሴሎና ብሓፈሻ ንመሲ ከኣ ብፍላይ ‘ምግታእ’ ኣዙ ከቢድ ምዃኑ እኳ እንተሓበረ፡ ነዚ ንምፍጻም ግና እኹል ምድላዋት ምክያዱ ኣረዲኡ፣ ዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ናይ ምልዓላ ተኽእሎ ዝቐሃማ ዝመስል ቸልሲ፡ እተን ኢዳ ከተንብረለን እትኽእል ጽዋእ ኤፍ ኤን ሻምፕዮንስ ሊግን ጥራይ እየን፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ባርሴሎና፡ ኣብ ኮፓ ደል ረይ ብኤስጳኞል ጥራይ ከምዝተረትዐት ዝዘከረ ኮንተ፡ ተጻወትቲ ክለቡ ዴቪድ ሉዊስን ባካዮኮን ኣብ ማህሰይቲ ምህላዎምን ምስላፎም ከኣ ኣጠራጣሪ ምዃኑን ኣተንቢሁ፣ ማርኮስ ኣሎን ሮስ ባርክለይን ግና ነዚ ግጥም ድልዋት ምህላዎም ወሲኹ ሓቢሩ፣ ብወገን ባርሴሎና፡ ኒልሰን ሰሜዶ ብመቕጻዕቲ ኣይክስለፍን እዩ፣ ኣቐዲሙ ኣብዚ ውድድር’ዚ ምስ ሊቨርፑል ዝተጻወተ ሓድሽ ኣባል ክለብ ባርሴሎና ፊሊፕ ካውቲኖ እውን ኣብዚ ግጥም ኣይከገልግልን እዩ፣ ኣብ 2005/’06 ኣብ ዝተኻየደ ግጥም

ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ፡ ባርሴሎና ንቸልሲ 3ብ2 ረቲዓታ ነይራ፣ ኣብ ዝስዓበ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ናይ ምድብ ዝተራኸባ እዘን ጋንታታት፡ ፈለማ ቸልሲ 1ብ0 ክትዕወት እንከላ ኣብ ግጥም ካልኣይ እግሪ ግና 2ብ2 እየን ተፈላልየን፣ ኣብ 2008/’09 ፍርቂ ፍጻመ፡ ባርሴሎና ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ብዘቑጸረታ ሸቶ ብዝብል ሕጊ ንቸልሲ ረቲዓ ናብ ፍጻመ ኣንጻር ማን ዩናይትድ ንምግጣም ምሕላፋ ይዝከር፣ ኣብ 2011/’12 ፍርቂ ፍጻመ ሻምፕዮን ስሊግ ኤውሮጳ፡ ቸልሲ ብድምር ውጽኢት 3ብ2 ተዓዊታ ነይራ፣

+ ክለብ ኣርሰናል ምስ መገዲ ኣየር ኢማርትስ ንዘለዋ ውዕል ከምዘናውሐቶ ተሓቢሩ፣ እዚ ስምምዕ፡ ንኣርሰናል ክሳብ 200 ሚልዮን ፓውንድ እትዋት ክህልዋ ክገብር እዩ፣ በዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ ኣርሰናል ኣብ ማልያኣን ካልእ ኣብ እትጥቀመሉ ናውቲን ‘ኢማራትስ’ ዝብል መዋዕውዒ ክሳብ ዓመተ ስፖርት 2023/’24 ክትገብር እያ፣ እዚ ስምምዕ፡ ነቲ ካብ 1981 ክሳብ 1999 ምስ ጃፓናዊ ክለብ ጄይቪሲ ዘካየደቶ ናይ ምውዕዋዕ ውዕል ክብረወሰን ክሰብር እዩ፣

+ ትማሊ ሰንበት ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ክለባት ቪክቶርያን

ባሂያን 10 ተጻወትቲ ብቐይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ክባረሩ እንከለው ትሸዓተ ድማ ተሰሚዑሎም፣ ብሓፈሻ ኣብታ ‘ኵዕሶ እግሪ’ ከም ባህሊ ዝንገረላ ብራዚል፡ እቲ ግጥም ካራተን መኸተ ጉስጥን ኣብ መንጎ ተጻወትቲ ብምእንጋዱ እውን እቲ ካልእ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣሎ፣ ብሓፈሻ፡ ዳኛ ንተጻወትቲ ካብ ሜዳ ከባርርን ከሰምዕን ኢዱ ዝረብረበሉ ግጥም፡ ጸወታ ንኣስታት 16 ደቓይቕ ክቋረጽ ተገዲዱ እዩ፣ ጸወታ ዋላ’ኳ እንተቐጸለ፡ ምዱብ ግዜ ክፍጸም 11 ደቓይቕ ምስ ተረፎ ክለብ ቪክቶርያ ብዝሒ ናይቶም ዝተባረርዋ ተጻወትቲ ናብ ሓሙሽተ ብምብራኹ፡ ባሂያ ብፎርፋይት 3ብ0 ክትዕወት ምዃና ይንገር፣ እቲ ዛዕባ ማዕከናት ዜና ዝኾነ ግጥም፡ ተወሳኺ ብይን ካብ ኣካየድቲ ኵዕሶ እግሪ ብራዚል ከምዝሓትት ርዱእ እዩ፣

+ ኣሰልጣኒ ማን ዩናይትድ ሆሴ ሞሪኖ፡ ሓያለ ተጻወትቲ ክለቡ ብዝገጠሞም ማህሰይቲ ኣብ ዝስዕብ ጸወታታት ገስጋስ ክለቡ ክሰናኸል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ፣ ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኤፍ ኤ ካፕ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ፡ ኣብ ጸወታ ከምዘይህሉ ዘፍለጠ ፖግባ፡ ራሽፎርድ፡ ሄሬራ፡ ቫለንስያ፡ ኢብራሂሞቪች፡ ሮኾ፡ ጆንስን ፈላይኒን እቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማህሰይቲ ዝርከቡ ተጻወትቲ እዮም፣

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 10 መበል 27 ዓመት ቁ.148

ቤተልሄም ታደሰ

- እምነት

ኣማኑኤል

ሊድያ ስ

ልጣን

ዞባ ማእከል ኣስመራ ኣቶ ጎንጨ ገብረሂወት ገብረማርያም፡ ኣብ ጋራጀይ

ክትዕረ ምስ ኣተወት ነዊሕ ግዜ ዝገበረት መኪና ER-3-8740 ትዮታ (ዲያና) ቦጥ ዘይተኸፍለ ገንዘብ ይእውዳ ስለዝነበርኩ፡ ከም መኽፈሊ ዕዳ ንዓይ ክትወሃበኒ ክውሰነለይ ስለዝበሉ፣ እዛ መኪና ናተይ እያ ወይ ትብጽሓኒ እያ ዝብል ሰብ ይኹን፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/3/18 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ኣቶ ይሕደጎ ተስፋገርግሽ ገብረዝጊ፡ ኣደና እሙና በላይ ጊላጋብር ሰለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ተኽኣ ተኽለ ፍቓዱ፡ ወደይ ተመስገን ጊለ ሳድስ ሰለዝሞተ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ሰለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ጽገ ገብረማርያም መዝገበን ተኸሳሲ ኣቶ ፍስሃገርግሽ ምስጉን ሃብተሚካኤልን ዝቐረበልና ሲቪላዊ ክሲ ጉዳይ ሰብኣይን ሰበይትን ኮይኑ፡ ተኸሳሲ ብኣድራሽኡ ክርከብ ሰለዘይተኻእለ፣ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ፡ ን15/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቦም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ የፍልጥ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ መኮነን ሰረቐ ተኽለሃይማኖትን ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ ደስታ ወልደሰንበት ኣብርሃን ዝቐረበልና ሲቪላዊ ክሲ ጉዳይ መሽጣ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ገዛ፡ ማለት ኣብ ስምበል ዝርከብ ፕሎት 52 ፓርሰል “A” ኣብ 100 ትርብዒት ሜተር ሓደ ገዛ ዘለዎ፡ ተኸሰስቲ ኣብ ኣድራሻኦም ክርከቡ ሰለዘይከኣሉ፣ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም፡ ን7/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ቤት ፍርዲ ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዕዳጋ ሓሙስወ/ሮ ኣኽበረት ጎይትኦም በርሀ፡ ሓፍተይ ኣስፋሽ

ጎይትኦም በርሀ ሰለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራት

ወ/ሮ ኣበባ ተኸስተ ዘራጽዮን፡ በዓል ቤተይ ክብረኣብ

ሃብተ ዕቑባጋብር ስለዝሞተ፡ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ሰግዶኣቶ ሓጎስ በራኺ ተስፋጼን፡ ኣቦና በራኺ ተስፋጼን

ዘርአን ኣደና ዘውዲ እማን ገብረመድህንን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጻዕዳክርስቲያን

ወ/ሮ ገነት ንጉሰ ኪዳነ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ምቁር ለኣከ ተላ ሰለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ለተብርሃን ገብረኣብ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ምስግና ቀለታ ካሳ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ገብረመድህን ገብረማርያም፡ ኣቦይ ገብረማርያም ተወልደመድህን ዘማርያምን ኣደይ ኣመተ ኣይሙት ሃ/ሚካኤልን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ስላስ ተኽለ ገረዝግሄር፡ ኣቦይ ኣቶ ተኽለ ገረዝግሄርን ኣደይ ወ/ሮ ለምለም ዑቕባገግሽን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ደሞዝ የውሃንስ ገረዝግሄር፡ ወለደይ ዮውሃንስ ገብረዝግሄር ተስፋይን ምሕረት በይን ወልደገብርኤልን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ በት ፍርዲ ጸሎትወ/ሮ ህድኣት ኪዳነ፡ በዓል ቤተይ ተወልደ ጸጋይ ተኽለ

ሰለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/2/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኳዜንጽገሂወት ማና፡ በዓል ቤተይ ክፍለማርያም ተፈደ

ሰለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 1 ጓልና ድማ ወራሲት ምዃና ይረጋገጸላ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ

ዳዕሮ ጳውሎስወ/ሮ ዘውዲ ድብረጼን

ተኽለሃይማኖት፡ ወላዲተይ ተበርህ ኣርኣያ ተላ ሰለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ሰለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ

ኩዶ ፈላሲኣቶ ተኽለሚካኤል

ገብረየሱስ ንግሩ፡ ወለድና ገብረየሱስ ንግሩ ዘርፋኤልን ለተየሱስ ዘወልድ ሰብሃቱን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 4 ህልዋት ኣሕዋተይ፡ 1 መዋቲት 9 ተተካእቲ ደቃ፡ 1 መዋቲት 2 ተተካእቲ ደቃ፡ 1 መዋቲት 5 ተተካእቲ ደቃን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ሰለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ

ዓዲ ሓወሻግርማይ ኪዳነ ግደ፡ ሓፍተይ ጸጋ ኪዳነ ግደ ሰለዝሞተት፡

ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ውኪድባኣቶ ሙሴ ሃይለ ሃብተሚካኤል፡ ኣቦይ ሃይለ ሃብተሚካኤል

ሰለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይን 2 ተተካእቲ ደቆም ንኣሕዋተይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ሰለዝበሉ፣ ዝቃወም ኣንተሎ፡ ን21/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሚዛን ወልዱ ጎይትኦም፡ በዓል ቤተይ ቀሺ የዉሃንስ ገብረገርግሽ ዑቕባይ ሰለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ጉዖይ ጳውሎስ ታፍላ፡ ወላድየይ ጳውሎስ ታፍላ ገረሱስ ሰለዝተሰውአ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ሰለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ፍጹም ተኽለ ሃይለ፡ ኣቦና ተኽለ ሃይለ ወልደትንሳኤ ሰለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/3/18 ኣብ

ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ደቀምሓረ

ኣቶ ተስፋልደት ግርማጼን፡ ወድና ዮናስ ተስፋልደት ግርማጼን ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ ኣደኡ ወ/ሮ ሓዳስ ጊላዝጊ ወልደመንቆርዮስን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ዓንሰባ ዓዲ ተከሌዛንየዕብዮ ሃንስ ተስፋዝጊ ምባል ተሪፉ፡ የዕብዮ ዮውሃንስ

ተስፋዝጊ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን 03

ወ/ሮ ርሻን ሃብተ ተስፋጽዮን፡ ወለደይ ሃብተ ተስፋጽዮን ዑቕባሓንስን ንግስቲ ዑቕባዝጊ ዘርእማርያምን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ኣብ ቆዋሚን ተንቀሳቓስን ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Vacancy AnnouncementThe Office of Refugee Affairs and the Representative of the United Nations Higher

Commissioner for Refugee UNHCR) in Eritrea are inviting application from suitable qualified candidates for the post of Building /Civil Engineer.

Objective of the Recruitment

To manage the construction works to be undertaken in Umkulu Refugee Camp as well as to provide technical advice and recommendations to Office of the Refugee Affairs (ORA)

Under the direct supervision of the Head of ORA, the Engineer will undertake the following activities in Umkulu camp (Massawa).

Location: Umkulu camp (Massawa)Duration: Temporary contract for six monthsSalary: Negotiable.

Description of tasks:

1. Provide support and advice on all technical matters, including site development, construction and shelter to ORA, UNHCR and other agencies involved in the refugee program.

2. Ensures the appropriate construction interventions that include construction of new shelter houses and improvement of existing structures are planned and

implemented as per the agreed specifications. 3. Provide day to day and on site supervision of shelter, road and other construction

projects as may be assigned.4. Supervise on day to day basis, all construction activities undertaken by ORA to ensure quality control including payment certification and provide verbal and written reports as necessary promptly reporting any setbacks.5. Make recommendations on procurement of necessary sector related materials,

equipment and tools to ensure a timely implementation of plans and the functioning of a camp site facilities.

6. Prepare detailed designs, drawings, specification, bill of quantity, materials lists and cost estimates for all construction and related works.7. Identify and evaluate shelter/infrastructural needs in the camps, in collaboration

with representatives of the beneficiaries and in line with UNHCR practice.8. Promote high level of collaboration, communication and cooperation with the

stakeholders and actors in the community to achieve results.9. Sensitize and mobilize the community to participate in the security, safety and

improvement of camp infrastructures and communal facilities.10. Provide progress reports every month.11. Provide any other sup0port requested by ORA.

Qualifications:

Education: A University degree or equivalent in Civil Engineering; building construction; road construction; architecture, quantity surveying or other relevant qualification.

Experience: 5 years in construction industry, experience in project management and site planning.

Language: Excellent English is essential

Skills: - Good knowledge of computer software (Ms Microsoft office packages) as well as the capacity to use mapping tools, i.e., GPS and knowledge of construction drawing and design software (AutoCAD, Google

Earth, ArcGIS or equivalent) is a great added value. - Ability to think logically and creatively. - Good communication skills, including the ability to convey technical

concepts to non- technical staff at all levels in a clear and concise style. - Ability to prioritize and plan effectively - Ability to work under pressure and meet deadlines.

National Service:

Candidates should provide certificate of completion/exemption from national service.

Address: Office of Refugee Affairs located behind Bahti Meskeren. Telephone 08 37 04 06

Closing date 10 days from the announcement date.

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 11 መበል 27 ዓመት ቁ.148

ምልክታንሕና ወ/ሮ ለቲና ወልደገብሪኤል +17 ወረስቲ ነፍ/መድህን ሰርጹን ነፍ/ቅዱሳን ሰርጹን ዝኾንና፡ ብላ/ቤ/

ፍርዲ ብ2ይ/ሲቪ/መዝ.87/11 ብዕለት 07/07/2015 ብዝተዋህበና ውሳነ መሰረት፡ ነቲ ብቁጽሪ ምስክር ወረቐት 104344 መወከሲ ቁጽሪ 130774 ብኮምሽን ኣባይቲ ዋንነቱ ዝተረጋገጸ ገዛ፡ ናብ ስምና ከነመሓላልፍ ስለዝኾንና፣ ዝቃወም እንተሃልዩ፡ ኣብዚ ውሽጢ 30 መዓልቲ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ናይ መአገዲ ወይ’ውን ይግባይ ተባሂልሉ እንተኔሩ ውሳኔ ሒዙ፡ ኣብ ቤ/ጽ ኖታሪን ቤ/ጽሕፈት ካዳስተርን ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ብዘለና ሰነዳት ጉዳዩ ክንውድእ ምዃንና ንሕብር።

ወ/ሮ ለቲና ወልደገብሪኤል +17

ኣቶ ዮሴፍ ገብረመድህን ተኽለሃይማኖት ዝተፈቕደሎም ናይ ቤት ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ንግዳዊ ትካሎም “ቆቓሕ ቤት ትምህርቲ ምምራሕ መኪና” (QOQAH DRIVING SCHOOL) ተባሂሉ ክስየመሎም ስለዝሓተቱ፡ እዚ ናይ ንግዲ ስም ቅድሚ ምምዝጋብና ዝቃወም ኣካል እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ መአገዲ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ንግዲ ስም ከምንምዝግቦ ነፍልጥ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ

ኣብ ደምበ ሰምበል ዝርከብ ብስም ወላዲትና ነፍ/ት ወ/ሮ ዝፋን ገብረህይወት ሃይሉ ብመለለዪ ቁ.ንብረት 1፡007881 ተመዝጊቡ ዝተዋህበ ዋንነት መረጋገጺ ሰነድ ቀንዲ ምስ ወረስቲ ኔሩ፡ ክንረኽቦ ስለዘይከኣልና ረኺበዮ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል ኣካል ምስ ዝህሉ፡ እዚ ምልክታ ካብ ዝተቓልሓሉ ዕለት ጀምሩ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ብቁ.ስ 07278746 ክሕብረና ንሓትት። እዚ ከይኮነ ምስ ዝተርፍ ግን ቀንዲ ቅዳሕ ናይ’ዚ ሰነድ ክወሃበና ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክንሓትት ምዃንና ንሕብር።

ኣቶ ዮናስ ረዘነ መንገሻ

ብስም ሃናእ ጀሃር ኑርኣሕመድ ዝተመዝገበ፡ ቁ/ፍቓድ ዋኒን ASL00040828 ዝኾነ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ማ/ከተማ ጎደና ደቀምሓረ ቁ.ገዛ 33 ዝርከብ፡ ናይ ምክራይ ቬሎን ቡቲክን ትካለይ፡ ንወ/ሮ ፍረወይኒ ተስፋልደት ገ/ሚካኤል ካብ ዕለት 01/01/2018 ክሳብ ዕለት 31/12/2019 ኣካርየያ ስለዘለኹ፣ ዝቃወም ኣካል ምስ ዝህሉ፡ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤት ፍርዲ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘይኮኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ክራይ ውዕል ሕጋዊ ምዝገባ ከምዝፍጸመሉ አፍልጥ።

ወ/ሮ ሃናእ ጀሃር ኑርኣሕመድ

ስዕዲ መሓመድኑር ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ከባቢ ምም/02 ኣብ ፕሎት 50 ዝርከብ፡ ብንብረት ቁጽሪ መዝገብ 6289 ብጠቕላላ ቁጽሪ መዝገብ 103413 ብስም ሽያጢ ኣቶ ስዒድ ኣሕመድ ሑሩስ ዝተመዝገበ ገዛ፡ ብዕለት 03/04/2007 ስለዝዓደግክዎ፡ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹን ኦርጅናል ሰነድ ናይ ዋንነት ስለዝጠፍአ፣ ነዚ ሰነድ ረኺበዮ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል ሰብ እንተልዩ፡ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍ ናይ መአገዲ ወረቐት ሒዙ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ኣብ ቤ/ጽ ነታዮ ወይ ካዳስትራል ኦፊስ ይቕረብ። እንተዘየለ ግን ካልእ መተካእታ ክወሃበኒ ክሓትት ምዃነይ ይሕብር።

ሓቢብ ነጋሽ ኣሕመድ

ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ጸጸራት (ቤት መኻእ) ጎደና ቤት መኻእ ኣዲ 01 ቁ/ገዛ - ብቁ/ፍቓድ ዋኒን ASL00001311 ናይ መጥሓን በርበረ ትካለይ፡ ንኣቶ ታደሰ ጳውሎስ ተ/ማርያም ስለዝሽጥኩሎም፡ ብስም ሽያጢ ዝኽፈሎ ዕዳ ኣለኒ ወይ ይግባእኒ እዩ ዝብል ኣካል እንተደአ ሃልዩ፡ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤት ፍርዲ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ ናብ ስም ዓዳጊ ከምዝመሓላለፍ ነፍልጥ።

ኣቶ ብርሃነ ገ/ሃዋሪያት ጎፋር

ብስም ዘሚኪኤል ዑቕባዝጊ ምሕረትኣብ፡ ኣብ ዓዲ ከባቢ ጸሎት ብመወከሲ ቁጽሪ 000262 ቁጽሪ ምስክር ወረቐት 003878 ፕሎት 30 ፓርሰል A ንመንበሪ መዓላ ዝተዓደልክዎ፡ ምስክር ወረቐት ስለዝጠፍኣኒ፣ ዝረኸበ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል እንተሎ፡ ብቁጽሪ ስልኪ 07320714 ክሕብረኒ። እንተዘይኮይኑ ግን መተካእትኡ ንዝምልከቶ ኣካል ክሓትት ምዃነይ እሕብር።

ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ቲራቮሎ ጎደና ዓጋመት ቁ/ገዛ - ብቁ/ፍቓድ ዋኒን ASL00032526 ናይ መጽንሕን መውዓልን ህጻናት ትካለይ፡ ንወ/ሮ ሕልና የማነ ኣስገሀይ ብውህብቶ ስለዝሃብክዋ፡ ብስም ወሃቢ ዝኽፈሎ ዕዳ ኣለኒ ወይ ይግባኣኒ እዩ ዝብል ኣካል እንተደኣ ሃልዩ፡ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤት ፍርዲ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ ናብ ስም ውህብቶ ተረካቢ ከምዝምሓላለፍ ነፍልጥ።

ኣቶ ሚልዮን የማነ ኣስገሀይ

ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ቲራቮሎ ጎደና ዓጋመት ቁ/ገዛ - ብቁ/ፍቓድ ዋኒን ASL00032525 ናይ መዋእለ ህጻናት ትካለይ፡ ንወ/ሮ ሕልና የማነ ኣስገሀይ ብውህብቶ ስለዝሃብክዋ፡ ብስም ወሃቢ ዝኽፈሎ ዕዳ ኣለኒ ወይ ይግብኣኒ እዩ ዝብል ኣካል እንተደኣ ሃልዩ፡ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤት ፍርዲ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ ናብ ስም ውህብቶ ተረካቢ ከምዝምሓላለፍ ነፍልጥ።

ኣቶ ሚልዮን የማነ ኣሰገሀይ

NoticeSam Garment Factory P.L.C informs the shareholders that: -

Pursuant to the Memorandum and article of Association of the company, the company will held its general meeting to discuss about the general conditions of the company, on 10/03/2018 at 9:00 am in our main office. All the members of the association called to attend on the fixed day of the general meeting.

Sam Garment Factory P.L.C

ዞባ ደቡብ መንደፈራወ/ሮ ሃይማኖት ወ/ማርያም መዘንግዕ፡ ተጸዋዕቲ ኣቶ

መስፍን ደበሳይ ካሕሳይ፡ ዮሴፍ ደበሳይ ካሕሳይ፡ ፍስሃየ ደበሳይ ካሕሳይ፡ ኣኽበረት ደበሳይ ካሕሳይ፡ ዘለኣለም ደበሳይ ካሕሳይ፡ ኣለምሰት ደበሳይ ካሕሳይ፡ ትዕዝብቲ ደበሳይ ካሕሳይ ኣበይ ከምዘለዉ ስለዘይተፈልጡ፡ ጥፉኣት ተባሂሎም ይተኣወጁለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም ኣካል እንተሎ፡ ን15/3/18 ኣብ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ዓዲ ዃላበሪሃ ገብረመድህን ዘሙይ ምባል ተሪፉ፡ በርሀ

ገብረመድህን ዘሙይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ደቀምሓረ

ቀሺ ፍሊጶስ ተኽለ ዓንደሚካኤል፡ በዓልቲ ቤተይ ኣብርሀት ካሕሳይ ደስታ ሰለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 11 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ቀሺ ፍሊጶስ ተኽለ ዓንደሚካኤል፡ ወደይ ተስፉ ቀሺ ፍሊጶስ ተኽለ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 11 ደቀይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ክበኣ ረዘነን ተኸሳሲ ኣቶ ሹሞም ሹምባሕሪን ዘሎ ናይ ሓዳር ክርክር፡ ተኸሳሲ ነዚ ቀሪብልካ ዘሎ ክሲ መልሲ ክትህበሉ፡ ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪልካ፡ ን14/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። ምስ ዘይትቐርብ ናብ ቤተ ዘመድ ሽማግለ ተመሪሑ ኣድላይ ዘበለ ውሳነ ክወሃብ እዩ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ሰገነይቲ

ወ/ሮ ንግስቲ ሰለሙን ጎይትኦም፡ ወላዲተይ ዑቕባ ተስፋማርያም ብርሃነ ሰለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራስቲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ሰለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ መንደፈራ

ኣቶ ኣስመሮም ሃብተ ዑቑባሚካኤል፡ ኣቦይ ኣቶ ሃብተ ዑቑባሚካኤልን ኣደኡ ወ/ሮ ርሻን ሃይለ ግደይን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ እምባ ዃዃት

ኣቶ ተመልሶ በራኺ ገብረማርያም፡ ወደይ ሙሉእ ተመልሶ በራኺ ስለዝሞተ፡ ኣይተመርዓወን ኣይወለደን ስለዚ ኣነ ምስ ኣደኡ ወ/ሮ ትንስኤ ገብሩ ሰለሙንን ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሓውሲ ከተማ እንዳገርግሽ

ወ/ሮ ብስራት ተስፋሚካኤል ገብረ፡ ወለደይ ተስፋሚካኤል ገብረን ጽገ ኪዳነ የሕደጎን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ሓንቲ ጓሎም ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ሰለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሓውሲ ከተማ ማይ ዓይኒ

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ቀመር ተስፋዮውሃንስ ዘድንግልን ተኸሳሲ ኣቶ ዮናስ ኣብርሃም ወልደገብርኤልን ዘሎ ናይ ሓዳር ውዕል ሲቪላዊ ክርክር፡ ተኸሳሲ ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪል፡ ን13/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘየለውሉ ጉዳይ ርእዩ ውሳነ ክህበ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከባቢ ዓድታት መዝባ

ኣብርሀት ሃይለማርያም ኣረጋዊ፡ በዓል ቤተይ ሃይለ ታደሰ ኣብራሃ ሰለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዝግፈትሃይለ ቀሺ በርሀ ሃይለማርያም፡ ወላድየይ ቀሺ በርሀ

ሃይለማርያም ሰለዝሞተ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ሰለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይ ድማቃላኣብ እዝራ ወልደማርያም፡ ወለድና እዝራ ወልደማርያም

እልፈን ጽርሁ ክንፈ ወልደርፊኤልን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/2/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ፎርቶ ምራራ

ወ/ሮ ምሕረት ዘኣማን ተስፋይ፡ በዓል ቤተይ ገብረየሱስ ገብረማርያም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/2/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ኤደን 02

ከሳሲት ወ/ሮ ኤልሳ ግርማይ ህያቡ ምስ ተኸሳሲ በዓል ቤተይ ኣቶ ብስራት ዘርእዝጊ ሻውሽ ብሕጋዊ መዳይ ተምርዒና፡ 4 ቆልዑ ወሊድና፡ እንተኾነ ግን ን4 ዓመት ዝኣክል ኣበይ ከምዘሎ ሰለዘይተፈልጠ፡ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ብፍትሕ ክፍለየኒ ሰለዝበላ፣ ተጸዊዑ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ፡ ን15/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ቤት ፍርዲ ነዚ ጉዳይ ክሱስ ኣብዘየብሉ ክረአ ምዃኑ

የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጊንዳዕ 02

ኣቶ ይሕደጎ ብሩ በርሀ፡ ሓወይ ብጹኣምላኽ ብሩ በርሀ ሰለዝሞተ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲ ምዃነይ ይርጋገጸለይ ሰለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ባጽዕ

ጸሃይነሽ ግርማይ መረሳ ምባል ተሪፉ፡ ኑራ መሓመድ ሓምድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/2/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገረንፊት 01

ወ/ሮ ጸጋ ገብረሃዋርያት ባህታ፡ በዓል ቤተይ መንግስትኣብ ሃይለ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ፎደ-ዓናጉሉ

ወ/ሮ ሕጉሽ ከበዶም ገረኣምላኽ፡ በዓል ቤተይ ሰመረ ሃይለ ሃብተጽዮን ሰለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 10 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ተሰነይ ዞባ መስከረም

ኣቶ ማሓመድ ዓብደልቃድር ድራር፡ ተጸዋዒ ኣቶ ተኽለንኪኤል ገብረመስቀል ከሰተ ኣብ ዕለት ብ10/4/1999

መኪና ቶዮታ ላንድ ኩረዘር ቁ.ሰሌዳ ER-1-10227 ዝኾነት ብዋጋ 80,000.00 ናቅፋ ኣብ ቅድሚ ሰለስተ መሰኻኽር ዓዲገሉ። ብዛዕባ ገንዘብ ኩሉ ከምዝተኸፍለን ሊብሬቶ መኪና’ውን ከምዝተረከብኩን ይሕብር። እንተኾነ ተጸዋዒ መኪና ካብ ዝተሸጠላ ግዜ ክሳብ ሕጂ ብኣካል ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን፡ ሰለዚ ተጸዋዒ ቀሪቡ ስም ከመሓላልፈለይ ክቐርበለይ፡ እንተዘይቀረበ ጉዳየይ ቤ/ፍ ክረኣየለይ ሰለዝበሉ፣ ተጸዋዒ ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪሉ፡ ን12/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ቤት ፍርዲ ጉዳዮም ክሪኦ ምዃኑ ይሕብር።

2ይ ሓራጅብፍ/በ/መሰል ኣቶ ረዘነ ሃይለ ሃብተስላሴ ዘፍረድዎ፡ ብፍ/በ/ዕዳ ኣቶ ኣስመሮም ሃይለ ክኸፍልዎ ስለዘይከኣሉ፡

ኣብ ከተማ ዓዲ ዃላ ዞን 02 ፕሎት 32 ብስም ብፍ/በ/ዕዳ ዝተመዝገበ ኣብ 300 ት.ሜ ዝተደኮነ፡ ቪላ ምስ ሰርቪሱ ኮይኑ ሓሙሽተ ቀንዲ ክፍልታት፡ ሓደ ሳሎን፡ ክልተ ክሽነ፡ ስለስተ ዓይኒ ምድሪን ባስካን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ብሓራጅ ተሸይጡ መኽፈሊ ስለዝተወሰነ ብበዓል ሞያ ሓደ ሚልዩን ሓደ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሱሳን 03% ናቕፋ (1,125,360.03%) ተገሚቱ ቀሪቡ ብዕለት 09/02/2018 ኣብ ዝተገብረ ጨረታ ስለዘይተሸጠት፡ ብ2ይ ሓራጅ ክሽየጥ ስለዝተኣዘዘ፡ ካብ ዝቐረበ ቀዳማይ ግምት ፍርዲ ብምጉዳል 562,680.015 (ሓሙሽተ ሚእትን ሱሳን ክልተን ሽሕኝ ሽዱሽተ ሚእትን ሰማያን ናቕፋ 0.15%) ኮይኑ፡ ክወዳደር ዝደሊ ¼ ብስም ፈ/ፍርዲ C.P.O ኣስሪሑ ወይ ደብተር ናይ ተጣራቓሚ ሕሳብ ሒዙ ብምቕራብ ክወዳደር ይኽእል። ቅድሚ ዕለት ሓራጅ ዘሎ ሓሙሽተ መዓልታት ስራሕ ጀሚሩ ተወዳዳራይ ናይቲ ክበጽሖ ዘሎዎ መጠን ገንዘብ ብዝተዓሸገ ሰታሪት ፖስታ ጌሩ ኣብ ላ/ቤ/ፍርዲ ቤ/ጽ/ፈ/ፍርዲ ቁጽሪ 62 ኣብ ዘሎ ዝተዓጽወ ሳንዱቕ ኣታዊ ይግበር፡፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ እንተዘይኣቕሪቡ ሓራጅ ኣየቋርጽን እዩ።

ዕለት ሓራጅ፦ 27/03/2018ሰዓታት ሓራጅ፦ 3፡00 - 4፡00 ድ.ቀቦታ ሓራጅ፦ ላ/ቤ/ፍርዲ ቁ.27

ተወሳኺ ሓበሬታ ዝደሊ ኣብ ላ/ቤ/ፍርዲ ፈ/ፍርዲ ቁ.66 መጺኡ ሰነድ ክውከስ ይኽእል። ነቲ ገዛ ክርኢ ዝደሊ ኣብቲ ጋዜጣ ተገሊጹ ዘሎ ዓዲ ዃላ ከይዱ ክርኢ ይኽእል እዩ።

ቤ/ጽ/ዋ/ፈ/ፍርዲ

ሓዳስ ኤርትራ 20 ለካቲት 2018 - ገጽ 12 መበል 27 ዓመት ቁ.148

Sabur Printing ServicesSabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ፋርማሲ ኖባ

ተረኛ ፋርማሲ ጎደና ቁ.ስልኪ ጎደና ዓይገት፡ቁ 214፡ ከባቢ ፖስጣ ዕዳጋ ዓርቢ 0712057420/2/2018

ዕለት

ፋርማሲ ቁ.1 መዓልታውን ለይታውን ኣገልግሎት ትህብ ቁ.ቴሌፎን 127565

መንግስቲ ናይጀርያ ኣባላት ኣሸባሪ ጉጅለ ቦኮ-ሓራም ከይኰኑ ንዝተጠርጠሩ 475 እሱራት ከም ዝፈትሐ ኣፍሊጡ።እቶም ጥርጡራት ኣብ ኣብያተ

ማእሰርቲ’ታ ሃገር ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሑን ግቡእ ናይ ተሃድሶ መደባት ዝተኸታተሉን ብምዃኖም ናጻ ክወጽኡ ከም እተወሰነሎም መግለጺ ሚኒስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር ኣነጺሩ።ኣብ ዞባ ኒጀር ኣብ እትርከብ ከተማ

ኪያንጂ ዝተደኰነ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብጥርጠራ ዝተኣስሩ ዜጋታት ፍርዲ ክህብ ዘኽእሎ እኹል ጭብጢ ክቐርበሉ ከም ዘይከኣለ ብምግላጽ’ዩ ክፍትሑ ዝወሰነ። እቲ ቤት ፍርዲ ንጉዳይ 1600 ጥርጡራት ቦኮ ሓራም የጻርይ ከም ዘሎ’ዩ ዝገልጽ። ናይ ዝበዝሑ ጥርጡራት ክሲ ብዘይ እኹል ጭብጢ ብምቕራቡ ግዳ

ናይጀርያ፡ 475 ጥርጡራት ቦኮ ሓራም ፈቲሓ

ናጻ ክለቆም ከም ዝኽእል ምንጭታት’ቲ ከባቢ ኣሚቶም።ቤት ፍርዲ ኪያንጂ ዝሓለፈ ሰሙን

ኣባላት ጉጅለ ቦኮ ሓራም ምዃኖም ንዝገለጾም 20 ጥርጡራት ካብ ክልተ ክሳብ 15 ዓመት ክእሰሩ ከም ዝወሰነ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ጭውያ 200 ደቀንስትዮ ዞባ ቺቡክ ኢድ ኣለዎ ንዝተባህለ ጥርጡር

ድማ ብናይ 30 ዓመት ጽኑዕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከም ዝፈረዶ ኣነጺሩ።ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዒሽ ጥቡቕ ርክብ

ዘለዎ ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ቦኮ-ሓራም ኣብ 2009 ኣንጻር መንግስቲ ግጭት ካብ ዝውልዕ ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ዛጊት ህይወት ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ጠፊኡ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ሩስያ ዞባ ዳጊስታን ሓደ ኣባል ዳዒሽ ምዃኑ ዝተገልጸ ዕጡቕ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰላማውያን ተቐቲሎም፤ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ቈሲሎም።ብመሰረት ሓበሬታ ቢቢሲ፡ እቲ ዕጡቕ

ኻሊል ኻሊሎቭ ዝተባህለ ወዲ 22 ዓመት ነባሪ ናይቲ ዞባ ኰይኑ፡ ኣብቲ ፍጻመ ካብ ኣባላት ፖሊስ ብዝተተኰሰሉ ጠያይት’ዩ ተቐቲሉ።ጉጅለ ዳዕሽ ድሒሩ ኣብ ዘውጸኦ

መግለጺ፡ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ ኣሎ። ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ ዕጡቕ ኣብ

ሃድን ዘገልግል ብረት ሒዙ፡ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጸሎት ብምድባይ መእመናን ክወጹ እንከለዉ መጥቃዕቱ ከም ዝፈነወ

ሩስያ - ዳዕሽ ሓሙሽተ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ

ምንጭታት’ቲ ከባቢ ሓቢሮም።ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር እስልምና ናይቲ

ከባቢ እቲ ብስም ሃይማኖት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዕኡ ከም ዘይውክል ብምግላጽ ኰኒኑዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ኢራን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ስግኣት እትፈጥር ሃገር እያ ክብል ከሲሱ። ናታንያሁ፡ ኣብ ሙኒኽ -ጀርመን ኣብ

ዝተኻየደ ዋዕላ ጸጥታ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ከምቲ ጀርመን ኣብ እዋን ስርዓት ናዚ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ስግኣት ዝፈጠረት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እታ ንዓለም እተስግእ ሃገር ኢራን ምዃና’ዩ ገሊጹ።ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ንመደረ

ሰበ-ስልጣን ኢራን ብምጥቃስ እታ ሃገር ናብ ምሉእ ዓለም ሃይማኖታዊ ስርዓት ክነግስ እትደፍእ ዘላ ሃገር ምዃና’ዩ ዝገልጽ። ኣቐዲሙ ኣዛዚ ሰውራዊ ሰራዊት ኢራን ዓሊ ጃዕፋሪ፡ “ኣብ ምሉእ ዓለም እስላማዊ ስርዓት ንምንጋስ ቀሪብና ኢና” ዝብል ዘረባ ከም ዘስመዐ ድማ ሓቢሩ። ኢራን ዕላማኣ ንምውቃዕ ኣብ ሶርያ ተካይዶ ዘላ ምትእትታው ግሁድ ኣብነት ምዃኑ’ዩ በንያሚን ናታንያሁ ዝኸስስ።በንያሚን ናታንያሁ፡ ካብ ኢራን

ክመጽእ ይኽእል’ዩ ንዝበሎ ስግኣት ንምውጋድ ሃገሩ ዕቱብ ስጉምቲ ከም

“ኢራን ንዓለም ስግኣት’ያ” በንያሚን ናታንያሁ

እትወስድ ኣጠንቂቑ’ሎ።ኢራን ብወገና ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ክሲ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ትርጉም ዝወሃቦ ዘረባ ከምዘይኰነ ብምግላጽ’ያ ነጺጋቶ።እስራኤል ከም ግብረ መልሲ ናይታ

ኣብ ሶርያ ዝተወቕዐት ወተሃደራዊት ነፋሪታ፡ ኣብታ ሃገር ከም ዝርከቡ ንዝገለጸቶም ሓይልታት ኢራን ንምጥቃዕ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ተካይድ ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓብላሊ ቦታ ንምሓዝ ትሰርሕ ከም ዘላ ዝኸስሰ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ እታ ሃገር ኣብ ሶርያ እተካይዶ ንዘላ ምትእትታው ብሃገራት ዓለም ክኹነን ከም ዝግባእ ገሊጹ።እስራኤልን ኢራንን ኣብ ማእከላይ

ምብራቕ ከም ቀንዲ መቐናቕንቲ ዝጥመታ ሃገራት ኰይነን፡ ኣብ መንጎአን ሓያል ረጽሚ ከይውላዕ ወትሩ ከም ዘስግእ ጸብጻባት የመልክቱ።

ቻይና፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንልዕሊ 400 ሽሕ ዜጋታታ ካብ መስመር ድኽነት ንምውጻእ ውጥን ከም ዝሓንጸጸት ኣፍሊጣ።ቻይና ሓንጺጻቶ ዘላ ናይ ሰለስተ

ዓመታት ውጥን ኰይኑ፡ በብዓመቱ ዝትግበር ንርሑቕ ከባቢታት ዝጠመተ እዩ። ዜጋታታ ካብ ድኽነት ኣብ ምውጻእ ቀጻሊ ዓወታት ተመዝግብ ምህላዋ ድማ ጸብጻባት ይሕብሩ።ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቻይና ዝርከባ 22

ዞባታት ብድኽነትን ሕሱም መነባብሮን ይሳቐያ ምህላወን ዝጠቐሱ ሰብ መዚ’ታ ሃገር፡ ብፍላይ ኣብታ ሺንጂያንግ ዝተባህለት ዞባ ዝርከቡ ዜጋታት ብሰንኪ ድኽነት መሳርሒ ሽበራውያን ሓይልታት ይዀኑ ምህላዎም ኣረዲኦም።

ቻይና ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታታ ካብ ድኽነት ንምውጻእ ትውጥን

ሺንጂያንግ ቀጻሊ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝረኣየላ ዞባ ኰይና፡ ዕጡቓት ነታ ዞባ ካብ ቻይና ንምንጻል ቀጻሊ ምንቅስቓስ የካይዱ ምህላዎም ጸብጻባት ይሕብሩ።ኣብታ ዞባ ዝነብሩ ኣስታት 10 ሚልዮን

ዓሌት ኡጉር ዝዀኑ ቻይናውያን ካብ ዕድላት ምዕባለ ህሙሻት ከም ዝዀኑ ዝገልጽ መረረ የቕርቡ።ቻይና ድኽነት ንምጥፋእ ኣብዚ ናይ

ሎሚ ዓመት ውጥን ዝሰልዓቶ ገንዘብ ዛጊት’ኳ እንተዘየነጸረት፡ ዝሓለፈ ዓመት እታ ሃገር ንተመሳሳሊ ዕላማ 960 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ከም ዝገበረት ይግለጽ።ኣብታ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ገስጋስ

ተመዝግብ ዘላ ቻይና፡ ዓመታዊ ገምጋም ነፍሲ ወከፍ ዜጋ 8 ሽሕ ዶላር ምዃኑ ጸብጻብ ዓለማዊ ባንክ የመልክት።

እዚ እትዕዘቡዎ ዘለኹም 2 ሽሕ ዓመት ዝገበረ ሓወልቲ እዩ። ዋጋኡ 4.5 ሚልዮን ዶላር’ዩ ዝግመት። እቲ ብኹዕታ ኣብ ቻይና ዝተረኽበ ‘ተራኮታ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓወልቲ ብልቓሕ ንኣመሪካ ካብ ዝተዋህቡ 10 ቅርስታት ሓደ ኰይኑ፡ ኣብ ፊላደልፊያ ኣብ ዝርከብ ትካል መጽናዕቲ’ዩ ዝርከብ። እቲ ሓወልቲ ብኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐ’ኳ ተዓቂቡ እንተጸንሐ፡ ዝሓለፈ ቅንያት ግን ሓንቲ ኣጻብዕቱ ብምጥፋኣ ኣብቲ ከባቢ ጽዑቕ ጸጥታዊ ተፍትሽ ከም ዘለዓዓለ ቢቢሲ ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ መርመራ ኣመሪካ(ኤፍ.ቢ.ኣይ) ድሕሪ ዘካየዶ ተፍትሽ ሓደ ጥርጡር ከም እተታሕዘ ተፈሊጡ። ማይክል ሮሃና ዝተባህለ ጥርጡር ኣብ ጥቓ’ቲ ሓልወቲ ኰይኑ ክሰኣል ከም እተራእየን ሓንቲ ኣጻብዕቲ ዓባይቶ ሰሪቕካ ተባሂሉ ድማ ከም እተኸሰሰን ተፈሊጡ። ንሱ፡ ብርቂ ጥበባዊ ስርሓት ብምስራቕን ብምዕናውን ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ከም ዝቐረበን ብዋሕስ ተለቒቑ ምህላዉን ምንጭታት ዜና ሓቢሮም። ንሱ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ከም ዋዛ ነታ ኣጻብዕቲ ሒዙዋ ከም ዝኸደን ምስኡ ከም ዘላን ተኣሚኑ ምህላዉ ምንጭታት’ቲ ከባቢ ገሊጾም። ቻይና ኣብ ልዕሊ’ቲ ገበነኛ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ንኣመሪካ ሓቲታ ምህላዋ ድማ ተፈሊጡ።

ተወሳኺ

ንገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ኢሉ ዝጽውዕ ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ ኣብተን ተኸተልቲ እስልምና ብብዝሒ ዝርከበለን ዞባታት ሩስያ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ከም ዘካይድ’ዩ ዝግለጽ።