ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት...

12
መበል 27 ዓመት ቁ.161 ረቡዕ 7 መጋቢት 2018 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 3 ሓፈሻዊ መብርሂ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝተረኽቡ ሙምያታት (Mummies) ገጽ 4 ገብረመስቀል ካብ ህጻንነት ክሳብ ናጽነት ገጽ 5 ነብስኻ ምእላይ ገጽ 7 ጸጋ ኒዩኵለራዊ ጸዓትን ኣብዞባዓንሰባ፡ተሳትፎንተወዳዳርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዕብየት የመዝግብ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዞባ መምህር ተኽለሰንበት ዘርኣይ ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ዞባ ኣርባዕተ ናይ ብሕቲ ዝርከባአን 18 ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ መምህር ተኽለሰንበት፡ እተን ቀንዲ ዕብየት ተሳትፎን ተወዳዳርነትን ደቂ- ኣንስትዮ ዝርኣየለን ናይ ካልኣይ ደረጃ ጨንፈርሚኒስትሪጥዕናዞባደቡብ፡ኣብ ህዝቢ ዝካየዱ ጥዕናዊ ጐስጓሳትን ዝወሃቡ ኣስተምህሮታትን ዝያዳ ንኸድምዑ፡ “ምብህሃል ንምዕባለ” ብዝብል ቴማ፡ ን20 ኣባላቱን ኣብ ጥዕናዊ ጐስጓሳት ዝነጥፉ መሻርኽቱን ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣብ’ቲ ካብ 27 ለካቲት ክሳብ 2 መጋቢት ኣብ ከተማ ድባርዋ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ንትርጉምን ኣገዳስነትን ምብህሃል፡ ስትራተጅን ኣድማዕነትን ምብህሃል፡ ሜላታት ምብህሃልን እወታውን ኣሉታውን ጽልዋታት ምብህሃልን ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ብክኢላታት መብርሂ ቀሪቡ። ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ከድምዕ፡ ጽጹይመጽናዕትንድሕረ-ባይታንሰማዕቲ፡ እትጥቀመሉ ሜላ ምብህሃልን ህልው ኩነተ-ኣእምሮ ሰማዕትኻን ገለ ካብቶም ወሰንቲ ረቛሒታት ምዃኖም ዝጠቐሱ ክኢላታት፡ ምብህሃል ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ እንተደኣ ተጠቒምካሉ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኣረዲኦም። ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ የማነ ሃይለ፡ ዕላማ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ዓቕሚ ጐስጐስቲ ብምዕባይ ሓሓሊፎም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝራኣዩ ጐዳእቲ ልምድታት ብንቕሓት ንምውጋድ ምዃኑ ብምሕባር፡ ተሳተፍቲ ውጽኢት ዝርከቦን ናብ ትግባረ ዝደፍእን ጐስጓሳት ከካይዱ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ኣገንዚቡ። ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ ኣብ ምሕያል ውጽኢት ትምህርቲ፡ ወለዲ - ማእከል ስሉሳዊ ዝምድና ኣብ ትምህርቲ ተራ ወለዲ ክዓዝዝ ይሕተት ስለዝኾኑ፡ ኣብ ምምእዛን ተመሃሮ ደቆም ተራኦም ከዕዝዙ፡ ኤሪና ዘዘራረበቶም መማህራንን ኣባላት ኮሚተ ወለድን ኣዘኻኺሮም። መምህር ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ወርሽ ኪዳነ፡ ኣብ መንጎ መማህራን፡ ተመሃሮን ወለድን ኣብ ዝህሉ ስሉሳዊ ዝምድና፡ ተራ ወለዲ እምነ-ኲርናዕ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኩነታት ተመሃሮ ንምክትታልን ውጽኢት ትምህርቲ ንምሕያልን፡ ምቛም ኮሚተ ወለዲ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣረዲኡ። ውጽኢት ተመሃሮ ካብ ዘዕዝዙ ቀንዲ ረቛሒታት፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጋጥሙ ጸገማትን ሕጽረታትን ብመንገዲ ኮሚተ ወለዲ፡ ብምውህሃድ መማህራንን ወለድን ቅልጡፍ ፍታሕ ምንዳይ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ። ኣባላት ኮሚተ ወለዲ እውን፡ ጐስጓስ ኣብ ምክያድ፡ ዝደኸሙ ተመሃሮ ኣብ ምሕጋዝ፡ ንፉዓት ተመሃሮ ኣብ ምትብባዕ፡ ጉድለት ንዘርኣዩ ኣብ ምእራም፡ ምስ መዓልታዊ ንጥፈታት ተመሃሮ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ኣብ ምክትታል - ዕቱብ መደባት ክካየድ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ። ዓንሰባ - ተወዳዳርነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተናኢዱ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኮምፕዩተራት፡ ኣብያተ-መጽሓፍን ኣብያተ-ፈተነን ዘለወን - ካብ ጸሊም ጽርግያ ራሕቂ ዘይብለን ምዃነን ገሊጹ። ንብቕዓተን ኣመልኪቱ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ካብ 90 ክሳብ 100 ብሉጽ ነጥቢ ካብ ዘመዝገቡ 110 ተመሃሮ፡ እተን 56 ደቂ-ኣንስትዮ ምንባረን፡ ሎሚ ዓመት’ውን እንተኾነ፡ ዝለዓለ ነጥቢ ካብ ዘምጽኡ 105 ተማሃሮ እተን 64 ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ኣረዲኡ። ካብ 2011 ክሳብ 2017 ናብ ቤት- ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ወሪዶም ኣብ ሃገራዊ መርመራ ካልኣይ ደረጃ ካብ ዝተፈተኑ ኣስታት 11 ሽሕ ተማሃሮ ናይ’ቲ ዞባ፡ እተን 45.2 ሚእታዊት ደቂ- ኣንስትዮ ምንባረን ዝሓበረ መምህር ተኽለሰንበት፡ 36.2 ሚእታዊት ናይ ዲግሪ፡ 37 ሚእታዊት ድማ ናይ ዲፕሎማ ነጥቢ ብምምጻእ፡ ኣብ ላዕለዎት ትካላት-ትምህርቲ ትምህርተን ክቕጽላ ከምዝኸኣላ ኣብሪሁ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ሳላ ተበግሶታት ህዝብን ውህደት ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ምጥርናፍ ዓድታት 80 ሚእታዊት ከምእተሰላሰለ ተገሊጹ። እዚ ዝተገልጸ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሓምድ መሓመድ-ዓሊ፡ ካብ 18 ክሳብ 27 ለካቲት ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ መለብሶ፡ ማይ- ሓልሓል - ምጥርናፍ ዓድታት ጽቡቕ ተተግቢሩ ኣዋልድ፡ ረሀይ፡ ፈንሸበኩን ገበይ- ኣለቡን ኣብ ዘካየዶ ርክብ’ዩ። ብመሰረት’ቲ ዝካየድ ዘሎ መደብ ምጥርናፍ ዓድታት፡ 590 ስድራቤታት ዓድታት ቀጢን፡ ጭልማን ኣብደትን ኣብ መለብሶ ድሕሪ ምጥርናፎም፡ ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ይዋደድ ከምዘሎን ኣብ ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል ገጽ 8 ናይ ምጥቃዕ ወኒ ክለብ ቸልሲ ዝተነቐፈሉ ግጥም ስ/ ዘርኣይ ብርሃነ

Upload: others

Post on 18-May-2020

5 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

መበል 27 ዓመት ቁ.161 ረቡዕ 7 መጋቢት 2018 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 3ሓፈሻዊ መብርሂ ብዛዕባ ኣብ

ኤርትራ ዝተረኽቡ ሙምያታት (Mummies)

ገጽ 4ገብረመስቀል ካብ ህጻንነት

ክሳብ ናጽነት

ገጽ 5ነብስኻ ምእላይ

ገጽ 7ጸጋ ኒዩኵለራዊ ጸዓትን

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ተሳትፎን ተወዳዳርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዕብየት የመዝግብ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዞባ መምህር ተኽለሰንበት ዘርኣይ ሓቢሩ።ኣብ’ቲ ዞባ ኣርባዕተ ናይ ብሕቲ

ዝርከባአን 18 ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ መምህር ተኽለሰንበት፡ እተን ቀንዲ ዕብየት ተሳትፎን ተወዳዳርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ዝርኣየለን ናይ ካልኣይ ደረጃ

ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ህዝቢ ዝካየዱ ጥዕናዊ ጐስጓሳትን ዝወሃቡ ኣስተምህሮታትን ዝያዳ ንኸድምዑ፡ “ምብህሃል ንምዕባለ” ብዝብል ቴማ፡ ን20 ኣባላቱን ኣብ ጥዕናዊ ጐስጓሳት ዝነጥፉ መሻርኽቱን ኣስተምህሮ ሂቡ።ኣብ’ቲ ካብ 27 ለካቲት ክሳብ 2

መጋቢት ኣብ ከተማ ድባርዋ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ንትርጉምን ኣገዳስነትን ምብህሃል፡ ስትራተጅን ኣድማዕነትን ምብህሃል፡ ሜላታት ምብህሃልን እወታውን ኣሉታውን ጽልዋታት ምብህሃልን ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ብክኢላታት መብርሂ ቀሪቡ። ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ከድምዕ፡

ጽጹይ መጽናዕትን ድሕረ-ባይታን ሰማዕቲ፡ እትጥቀመሉ ሜላ ምብህሃልን ህልው ኩነተ-ኣእምሮ ሰማዕትኻን ገለ ካብቶም ወሰንቲ ረቛሒታት ምዃኖም ዝጠቐሱ ክኢላታት፡ ምብህሃል ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ እንተደኣ ተጠቒምካሉ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኣረዲኦም።ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና

ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ የማነ ሃይለ፡ ዕላማ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ዓቕሚ ጐስጐስቲ ብምዕባይ ሓሓሊፎም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝራኣዩ ጐዳእቲ ልምድታት ብንቕሓት ንምውጋድ ምዃኑ ብምሕባር፡ ተሳተፍቲ ውጽኢት ዝርከቦን ናብ ትግባረ ዝደፍእን ጐስጓሳት ከካይዱ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ

ኣብ ምሕያል ውጽኢት ትምህርቲ፡ ወለዲ - ማእከል ስሉሳዊ ዝምድና

ኣብ ትምህርቲ ተራ ወለዲ ክዓዝዝ ይሕተት

ስለዝኾኑ፡ ኣብ ምምእዛን ተመሃሮ ደቆም ተራኦም ከዕዝዙ፡ ኤሪና ዘዘራረበቶም

መማህራንን ኣባላት ኮሚተ ወለድን ኣዘኻኺሮም።መምህር ቤት-ትምህርቲ

ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ወርሽ ኪዳነ፡ ኣብ መንጎ መማህራን፡ ተመሃሮን ወለድን ኣብ ዝህሉ ስሉሳዊ ዝምድና፡ ተራ ወለዲ እምነ-ኲርናዕ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኩነታት ተመሃሮ ንምክትታልን ውጽኢት ትምህርቲ ንምሕያልን፡ ምቛም ኮሚተ ወለዲ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ውጽኢት ተመሃሮ ካብ ዘዕዝዙ ቀንዲ ረቛሒታት፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጋጥሙ ጸገማትን ሕጽረታትን ብመንገዲ ኮሚተ ወለዲ፡ ብምውህሃድ መማህራንን ወለድን ቅልጡፍ ፍታሕ ምንዳይ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።ኣባላት ኮሚተ ወለዲ እውን፡ ጐስጓስ

ኣብ ምክያድ፡ ዝደኸሙ ተመሃሮ ኣብ ምሕጋዝ፡ ንፉዓት ተመሃሮ ኣብ ምትብባዕ፡ ጉድለት ንዘርኣዩ ኣብ ምእራም፡ ምስ መዓልታዊ ንጥፈታት ተመሃሮ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ኣብ ምክትታል - ዕቱብ መደባት ክካየድ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ።

ዓንሰባ - ተወዳዳርነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተናኢዱ

ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኮምፕዩተራት፡ ኣብያተ-መጽሓፍን ኣብያተ-ፈተነን ዘለወን - ካብ ጸሊም ጽርግያ ራሕቂ ዘይብለን ምዃነን ገሊጹ።ንብቕዓተን ኣመልኪቱ ድማ፡ ኣብ

ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ካብ 90 ክሳብ 100 ብሉጽ ነጥቢ ካብ ዘመዝገቡ 110 ተመሃሮ፡ እተን 56 ደቂ-ኣንስትዮ ምንባረን፡ ሎሚ ዓመት’ውን እንተኾነ፡ ዝለዓለ ነጥቢ ካብ ዘምጽኡ 105 ተማሃሮ እተን 64 ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን

ኣረዲኡ። ካብ 2011 ክሳብ 2017 ናብ ቤት-

ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ወሪዶም ኣብ ሃገራዊ መርመራ ካልኣይ ደረጃ ካብ ዝተፈተኑ ኣስታት 11 ሽሕ ተማሃሮ ናይ’ቲ ዞባ፡ እተን 45.2 ሚእታዊት ደቂ-

ኣንስትዮ ምንባረን ዝሓበረ መምህር ተኽለሰንበት፡ 36.2 ሚእታዊት ናይ ዲግሪ፡ 37 ሚእታዊት ድማ ናይ ዲፕሎማ ነጥቢ ብምምጻእ፡ ኣብ ላዕለዎት ትካላት-ትምህርቲ ትምህርተን ክቕጽላ ከምዝኸኣላ ኣብሪሁ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ሳላ ተበግሶታት ህዝብን ውህደት ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ምጥርናፍ ዓድታት 80 ሚእታዊት ከምእተሰላሰለ ተገሊጹ።እዚ ዝተገልጸ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ

ዞባ ኣቶ ሓምድ መሓመድ-ዓሊ፡ ካብ 18 ክሳብ 27 ለካቲት ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ መለብሶ፡ ማይ-

ሓልሓል - ምጥርናፍ ዓድታት ጽቡቕ ተተግቢሩ

ኣዋልድ፡ ረሀይ፡ ፈንሸበኩን ገበይ-ኣለቡን ኣብ ዘካየዶ ርክብ’ዩ። ብመሰረት’ቲ ዝካየድ ዘሎ

መደብ ምጥርናፍ ዓድታት፡ 590 ስድራቤታት ዓድታት ቀጢን፡ ጭልማን ኣብደትን ኣብ መለብሶ ድሕሪ ምጥርናፎም፡ ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ይዋደድ ከምዘሎን ኣብ

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ገጽ 8ናይ ምጥቃዕ ወኒ ክለብ ቸልሲ

ዝተነቐፈሉ ግጥም

ስ/ ዘርኣይ ብርሃነ

Page 2: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 2መበል 27 ዓመት ቁ.161

ኣገደስቲ ቴሌፎናትሆስፒታል ሓሊበት

18 54 00ሆስፒታል ኦሮታ20 19 17

ፖሊስ ኤርትራ12 77 99

ኮርፖሬሽን ኤለትሪክሲቲ

12 22 22ፋርማችያ ቁ. 1

127565መጥፋእቲ ሓዊ

202099ማሕበር ቀይሕ መስቀል

154633

ሎሚ መደባት ERI-TVሰዓት መደብ12፡00 Cartoon12፡30 ዜና ትግርኛ12፡50 ጩራ ጥዕና13፡30 ዜና ዓረብ13፡40 ገለብ ደሓን14፡20 መደብ ስፖርት15፡05 ፓኖራማ15፡45 ዶክሜንታሪ ፊልም16፡35 ምኽሪ ሞያውያን17፡05 ማእገር18፡25 ህርመት19፡35 ኤሮቢክስ20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ሽንግርዋ21፡00 ዜና ትግርኛ21፡25 Tech Insight22፡00 ዜና ዓረብ22፡10 ሙ/ድራማ22፡30 ዜና እንግሊዝ

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ ዋና ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ኤደን ሃብተኣብሳራ ኣለም

በይሉል ገ/ሚካኤል

ለይ-ኣውት

ሳምራዊት መለስ

ውሽጢ ክልተ ቕነ ክዛዘም ትጽቢት ከምዝግበርን፡ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ መለብሶ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ ሳልሕ ሓቢሩ።ንዕቃበ ማይን ሓመድን

ብዝምልከት፡ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰሙን ክልተ መዓልታት ኣብ ምክልኻል ፍግረ መሬት ዘተኰረ ምስራሕ ዛላታትን

ሓልሓል - ምጥርናፍ . . .ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ካብ 5ይ ገጽ ዝቐጸለ

ከትርታትን ከምዝሰላሰል፡ ኣብ ምርጋእ ኣከባቢ ድማ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ኣረዲኡ።ነበርቲ፡ ኣቋሪጹ ዘሎ መስርሕ ህንጸት

መደበር ጥዕናን ዲጋን ምምሕዳር ከባቢ ቀርጸት ቈላሕታ ክግበረሉ፡ ዝርግሐ ኤለክትሪክ ክቕጽልን መስርሕ ጽገና ማእከል መንእሰያት ክቀላጠፍን ጸዊዖም።

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ምቊራጽ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ብምግታእ ተሳታፍነት ክብ ንምባል ብውህደት መማህራንን ወለድን ዝተኻየደ ጻዕሪ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ኩነታት ኣብያተ-ትምህርቲን ውጽኢት ተመሃሮን ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ተገሊጹ።ኣብ’ቲ ርክብ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት

ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ መምህር ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ብቕዓትን ውጽኢትን ተመሃሮ ንምምሕያሽ፡ ምርግጋጽ ትግባረ ውጥን ምህሮ መሰረታዊ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ዘይተማልኡ

መንደፈራ - ምቊራጽ ካብ ትምህርቲ ንምንካይ ዝተኻየደ ጻዕሪ ውጽኢት ሂቡ

ሃጓፋት ብምምላእ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል፡ ዝያዳ ጻዕሪን ተበጃውነትን መማህራን ክህሉ ኣዘኻኺሩ።ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ናይ’ዚ

ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ-ትምህርቲ፡ መጠን ምሕላፍ ተመሃሮ ኣብ መባእታ 89 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ 80 ሚእታዊት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ 72 ሚእታዊት ከምእተመዝገበ ጠቒሱ ድማ፡ እዚ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ ዝሓሸ ምዃኑ ገሊጹ።ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ስልጠናን

ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን መምህር ወልደገርግስ ሞጐስ ድማ፡ ኩነታት ተመሃሮን ወለድን ብግቡእ ምክትታልን ድኻማት ንዘርእዩ ተመሃሮ ምሕጋዝን ካብ ረቛሒታት ዓወት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ብውጥን ክሰርሓሉ ተላብዩ።ኣመሓዳሪ ከተማ መንደፈራ ኣቶ

ህዝቅያስ ውህበት፡ ምሕያል ብቕዓት ትምህርቲ ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ብዘይምዃኑ፡ ኩሎም ኣካላት መንግስቲ ከምኡ’ውን ሕብረተ-ሰብ ሓባራዊ ጻዕሪ ከካይዱ ኣዘኻኺሩ።

ጨንፈር ሃማደኤ ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምርግጋጽን ተጠቀምቲ ኣገልግሎታት ንምግባረንን፡ ኣብ ምሕያል ውዳበታተን ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሓሻኪቶ

ኣብ ዝተገብረ ብሃማደኤን ህግደፍን ዝተወደበ ኣኼባ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ወይዘሮ ኣምና ስዒድ፡ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ዘሎ ዘይምዕሩይነት ንምምሕያሽን ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድን ዝተተለሙ መደባት ንምዕዋት፡ ክሳብ ዓድታት

ሃማደኤ ን/ዞ/ድገ፡ ውዳበታት ንምሕያል

ይሰርሕዝወርድ ኣወዳድባ ክተኣታቶ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኣ።ጸሓፊ ህግደፍ ኣብቲ ንኡስ-ዞባ ኣቶ

ዓብደልከሪም ዑመር፡ ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ክረጋገጽ ዝኽእል ገስጋስ ስለዘየለ፡ ተሳታፍነተን ዝሕይለሉ ባይታ ንምፍጣርን ተጠቃምነተን ዝዓብየሉ ዕድላት ንምጥጣሕን ዝሰላሰል ዕማማት ብውህደት ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ብምኽንያት 8

መጋቢት - ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተወደበ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ንዝተዓወታ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ሽልማት ተዓዲሉ።

ተገንዚብካ፡ ምኽሮምን ርእይትኦምን ክትሰምዕ ድሉው ኵን።ኣብ ርእሲ እዚ፡ ናይ ሕሉፍ ጌጋኻ

ሕዩር ከይትኸውን ኣስተውዕል። ምስ ሕሉፍ ግዜ ‘ምፍታሕ’ (divorce) ማለት ናይ ትማሊ ጌጋኻ ብምእራም ንቕድሚት ገጽካ ብዓወት ምግስጋስ እዩ። ዋላ ክትማሓየሽ ከም ዘለካን ዝኾነ ጌጋ ክትፍጽም ከም ዘይብልካን እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ጌጋ ሓራ ክትከውን ከቶ ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ቐንዲ ቍምነገር፡ ንጌጋኻ

ተኣሚንካ ንምእራሙ ስጕምቲ ምውሳድ እዩ። ንሕሉፍ ጌጋኻ እናዘከርካን እናስቆንቆንካን ምንባር፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ዝበኣሰ ማሕዩር ከም ምድጓን እዩ ዝቝጸር። ገዛእ ርእሱ ኣብ ምምራሕ ዝበሰለ ሰብ፡ ካብ ሕሉፍ ጌጋ ንገዛእ ርእሱ መሪሑ ብምውጻእ፡ ናብ ቅድሚኡ የድህብ። ንዅሉ ብናይ ይቕረታ ስምዒት ድሕሪ ምእራሙ፡ ንቕድሚት ገጹ ክሕንበብ ሰጋእ ኣይብልን እዩ።

ክንዮ ጌጋ ክትዝክሮም ዝግባእ ሓቅታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ሀ. ካብ ምንቅስቓስ

ኣይትቆጠብ።ጌጋ ዘይፍጽም ሰብ እቲ ዘይንቀሳቐስ

ጥራይ ምዃኑ ኣስተውዕል። እቲ ጌጋ ከይፍጽም ኢሉ ዘይንቀሳቐስ ሰብ፡ ዝበኣሰ ጌጋ ይፍጽም ምህላዉ ከስተውዕል ኣለዎ። ዘይምንቅስቓስ ንባዕሉ ዓቢ ጌጋ እዩ። እንተ ተንቀሳቒስካ ምዕንቃፍ ወይ ጻሕ ኢልካ ምውዳቕ ከጋጥም ይኽእል ይኸውን። የግዳስ፡ ካብ ዝወደቕካዮ ተንሲእካ ምሕንባብ ከም ዝከኣል ክንግንዘቦ ክንክእል ኣለና።ለ. ንጌጋኻ እትህቦ ግብረ መልሲ

ኣስተውዕለሉ።ውጽኢት ጌጋ ዝውሰን ነቲ ጌጋ

ብእትህቦ ግብረ መልሲ እምበር፡ በቲ ጌጋ ባዕሉ ኣይኮነን። ሓያሎ ሰባት በቲ ዝፈጸምዎ ጌጋ ዘይኮኑ፡ በቲ ነቲ ጌጋ ዝህብዎ ግብረ መልሲ እዮም ኣብ ከቢድ ጸገም ዝወድቁ።ሐ. ጌጋ ኣይትድገም።

ጌጋ ክድገም እንከሎ፡ ዝበኣሰ ሳዕቤን ከም ዘኸትል ርዱእ ነገር እዩ። ኣብ ሓንቲ እምኒ ክልተ ሳዕ እንተ ተዓንቂፍካ፡ ኣብ ትዕዝብቲ ክትወድቕ ኢኻ። ጌጋ ንኸይትደግም ብዝተኻእለካ መጠን ጸዓር። ጌጋ ምፍጻም ባህርያዊ እዩ። ጌጋ ምድግጋም ግዳ፡ ዕሽነት እዩ።“ርእሰ ክብርኻን ሓጐስካን፡

ኣብ ካልኦት ከም ዝምርኰሱ ኣይትግበሮም። ባዕልኻ ጥራይ ኢኻ ሓላፍነት እትወስደሎም። ገዛእ ርእስኻ ከተፍቅርን ከተኽብርን እንተ ዘይክኢልካ፡ ካልእ ሰብ ከምኡ ክገብረልካ ከቶ ዘይሕሰብ እዩ። ንእንታይነትካ ጽቡቕ ይዅን ሕማቕ፡ ምሉእ ብምሉእ ተቐበሎ። ነቲ ኣገዳሲ ኰይኑ እተራእየካ ድማ፡ ኣማሓይሾ።” - ስታሲ ቻተር“ርእስኻ ኣይተድንን። ወትሩ

ርእስኻ ኣቕንዕ። ንዓለም ዓይኒ ዓይና ጠምታ።” - ሀለን ከለር

ይቕጽል

ነብስኻ ምእላይ

Page 3: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 3መበል 27 ዓመት ቁ.161

ሃገርና ኤርትራ እትውንኖ ናይ ኩሉ ምዕራፋት ታሪኽ ወዲ-ሰብ ስነ-ጥንታውን ታሪኻውን ውርሻታት፣ ሓያለ ድንቂ ኣብነታት ስልጣነ ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ሓዚሉ ዘሎ ኢዩ። ኣብ ጥንታውያን ገዳማት ኤርትራ ዝተረኽቡ ብግቡእ ዝተዓቀቡ ጥንታውያን ዝደረቑ ኣስከሬናት ወይ ሙምያታት ኣካል ናይ`ዚ ፍሉይነት እዞም ውርሻታት ዘጉልሑ ስነ-ጥንታውያን ኣሰራት ኮይኖም ዛጊት ኣብ ጥንታዊ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት ሃም፣ ቆሓይቶ፣ ከባቢታት ባረክሃን በኽዓርን( ከባቢ ሰንዓፈ) ዝተዳህሰሱ ሙምያታት (mummies)፣ ዛጊት ሓፈሻዊ መረዳእታ ክህልወና ዝገበሩ ኢዮም። ኣብ`ዚ ዓንቀጽ እምበኣር፣ ነዞም ሙምያታት ዘላሊ ሓበሬታ ምስ ሓፈሻዊ መረዳእታ ጥንታዊ መስርሕ ምዕቃብ ኣስከሬናት ተኣሳሲሩ ቀሪቡ ኣሎ።‘’ሙምያ ወይ ማሚ (mummy)

ዝብል ቃል ካብ ቋንቋ ፋርሲ (Persian) ዝመንጨወ ኮይኑ፣ ነቲ ካብ ጎቦታት ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ዝነበረ ንቅጥራን(bitumen) ዝመሳስል ዝተፈላለየ ሕማማት ከም ዝፍውስ ዝእመነሉ ዝነበረ ባእታ ይውክል። ምስ ንውሓት ግዝያት ከኣ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ነዚ ሙምያ ዝብል ቃል ብምርዓም፣ ነቶም ኣብ ሃረማት ጥንታውያን ግብጻውያን ዝተረኽቡ ብግቡእ ዝተዓቀቡ ኣስከሬናት ጥንታውያን ግብጻውያን ተመሳሳሊ ስያመ ከም ዝሃብዎም ይግለጽ። ኣብ ሃረማት ጥንታውያን ግብጻውያን ተዓቂቦም ዘለዉ ሙምያታት፣ ንቅጥራን (bitumen) ዝመሳሰል ጸሊም ሕብሪ ዝውንኑ ምዃኖም ከኣ እዚ ስም ብሰፊሑ ከም ዝሰረጸ ይፍለጥ። ኣብ`ዚ እዋን እምበኣር ሙምያ (mummia/mummy) ዝብል ቃል ብቀንዱ ነዞም ቅርስታት ወኪሉ፣ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥንቲ ብተመራመርቲ፣ ነቶም ብባህርያዊ መስርሓትን ሰብ-ሰርሖ (human) ኣገባባትን ብግቡእ ዝተዓቀቡ ኣስከሬናት ንምግላጽ የገልግል። ሙምያታት (mummies) ብዝተፈላለዩ መስርሓት ይዕቀቡ። ገለ ሙምያታት ክሊማ፣ ዓይነት ኣኻውሕ፣ ዝምረጹ ባህርያዊ መቓብራት፣ ትሕዝቶ ኣየር ወዘተ ዝኣመሰሉ ባህርያዊ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ንነዊሕ ዘመናት ይዕቀቡ። ብካልእ መዳይ፣ ጥንታውያን ሕብረተ-ሰባት ንምዕቃብ ኣስከሬናት ክውን ዝገብር ሰብ-ሰርሖ (human) ኣገባባት ብምጥቃም፣ ዝተፈላለዩ ሙምያታት ተዓቂቦም ክጸንሑ ኣኽኢሎም ኢዮም። እዞም ሰብ-ሰርሖ ኣገባባት፣ ጠባያት ኣየር

ሓፈሻዊ መብርሂ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝተረኽቡ ሙምያታት (Mummies)

ኣብርሃም ዘርኣይ

ኣብ ብግቡእ ዝተሓትሙ መቓብራት ብምቁጽጻር፣ ምንቃጽ ኣካላት ወዲ-ሰብ ዘኽእሉ ምንጪታት ጸዓት ብምጥቃምን ዝተፈላለዩ ምምሽማሽ ዝከላኸሉ ቀመማዊ ባእታታት ብምድላውን ይትግበሩ። እዞም መስርሓት ምስ ዝተፈላለዩ ኩነታት ዝዛመዱ ኮይኖም፣ መስርሕ ምዕቃብ ኣስከሬናት ግን ብቀንዱ፣ ምንቃጽ ሬሳታት ክውን ዝገብር ኣገባባት የጠቓልል። እዞም መስርሓት፣ ዝዕቀቡ ኣስከሬናት ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ባክተርያ ከይጥቅዑ ቀዳምነት ይህቡ። እዞም ሰብ-ሰርሖ ኣገባባት ውሽጣዊ ክፋላት ኣካላት ብምውጻእ ከምኡ ከኣ ምድራቕን (dehydration) ይፍጸሙ። በዞም ኣገባባት ዝተዓቀቡ ጥንታውያን ኣስከሬናት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ተረኺቦም ኢዮም። ኣብ ሃረማት ግብጺ ዝተረኽቡ ሙምያታት ሕልፊ ካልኦት ኣሰራት ጎሊሖም ዝረኣዩን ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝተገብረሎምን ምዃኖም ይፍለጥ። ክንድ ዝኾነ፣ ሙምያ ዝብል ቃልን፣ ኣብ ጥንቲ ዝግበር ዝነበረ መስርሕ ምዕቃብ ኣስከሬናትን ምስ ጥንታውያን ግብጻውያን ምትእስሳሩ ይዓዝዝ። ብፍላይ እዚ ምስ ጥንታውያን ግብጻውያን ዝተኣሳሰር መስርሕ፣ ሓያለ ዕምቆት ዘለዎም መወከሲ ምንጭታት ስለ ዘለዎ፣ ኣፍልጦ ተመራመርቲ እዚ ዓውዲ ክሰፍሕ ኣኽኢሉ ኢዩ። በዚ መንጽር`ዚ ከኣ፣ መበቆል እዚ መስርሕ ካብ ጥንታዊ ስልጣነታት ግብጻውያን ምዃኑን ድሒሩ ናብ ሰፊሕ ክፋላት ዓለም ከም ዝተዘርግሐን ዝገልጹ ትንታነታት ዝያዳ ካልእ ስነ-ምጉት ጎሊሖም ይርኣዩ። ሽሕ`ኳ፣ መበቆል እዚ ልምዲ ምስ ጥንታውያን ግብጻውያን ዝተኣሳሰር እንተኾነ፣ ሓያለ ሙምያታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለምና ከም ዝተረኽቡን፣ ሕብረተ-ሰባት ክንዮ ናይ ጥንታውያን ግብጻውያን ጥበብ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም መበቆል እዚ ልምዲ ክህልዎም ተኽእሎ ከም ዘሎን ምጥቃሱ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ዙርያ መበቆል እዚ ልምዲ ዝግበሩ ክትዓት ከኣ ናይ መጻኢ ስነ-ፍልጠታዊ መስርሓት ዘማእዝንዎም ኩነት ምዃኖም ምርዳእ የድሊ።ኣብ ሃገርና ኤርትራ፣ ዛጊት ዕምቆት

ዘለዎ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት እኳ እንተዘይተኻየደ፣ ሙምያታት ዛጊት ካብ ስነ-ጥንታዊ ቦታ ቆሓይቶ፣ ጥንታዊ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት ሃም፣ ባረክሃን፣ ከባቢታት በኽዓርን (ክፋል ሰንሰለታውያን ኣክራናት ሶይራ) ከም ዝተረኽቡ ይፍለጥ።እቶም ብ1894 ብጆርጅ

ሽወይንፈርዝን ማክስ ሾለርን ዝበሃሉ ጀርመናውያን ካብ ስነ-ጥንታዊ ቦታ

ቆሓይቶ ዝተወስዱ ሙምያታት፣ ኣዝዩ ውሑድ ሓበሬታ ዘለዎም ኮይኖም፣ ኣብ`ዚ እዋን ኣብ ማእከል ምርምር ስነ-ሰብ ዩኒቨርስቲ ሁምቦልድት በርሊን (Anthropological Institue of Humboldt University) ከም ዘለዉ ይግለጽ። ኣብ 1980ታት ኣብ ጥንታዊ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት ሃም ዝተረኽቡ ሓያለ ሙምያታት ንህልው መረዳእታ እዚ መስርሕ ኣብ ጥንታዊት ኤርትራ ኣፈናዊ ሓበሬታ ዝሃቡ ኢዮም። እዞም ሙምያታት ድሕሪ ምርካቦም፣ ዝተፈላለየ መግለጺታት ዝወሃቦም ኮይኖም፣ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘድልዮም ላህመታዊ ኣንፈታት ሓዚሎም ይርከቡ። ኣፈ-ታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት ሃም ከም ዘነጽሮ፣ እዞም ሙምያታት ፣ ኣስከሬን ናይ ጥንታዊ ገዳም ሃም ዝመስረቱ ኣቡነ-ሊባኖስ ዝርከቦም ሓያለ ኣጽሞተ-ቅድሳን ኢዮም። በዚ መረዳእታ እዚ ከኣ እዞም ሙምያታት መንፈሳዊ ምትእስሳር ዘለዎም ኣስከሬናት ጻድቃናት ምዃኖም ይግለጽ። ኣቡነ-ሊባኖስ ናብ ሃገርና ኤርትራ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ብግብጺ ኣቢሎም ከም ዝኣተዉ ዝሕብር ኣፈ-ታሪኽ፣ ጥበብ መስርሕ ምዕቃብ ኣስከሬናት ድማ ምስኦም ሒዞም መጺኦም ከም ዝኽእሉ ይግለጽ። ብመሰረት ሓበሬታ መነኰሳት ገዳም ደብረ-ሃዋርያት ሃም፣ ቁጽሪ እዞም ሙምያታት ኣብ እዋን ርኽበት 120 ምንባሩ ንርዳእ። እዞም ሙምያታ ኣብ`ዚ ጥንታዊ ገዳም

ተዓቂቦም ምህላዎም ከኣ፣ ንመጻኢ መጽናዕትታት ይድርኹ። ብተወሳኺ፣ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ

ዓመታት ኣብ ባረክንሃን በኽዓርን (ከባቢታት ሰንዓፈ) ዝተገብሩ ዳህሳሳት፣ ህላወ ሙምያታት ኣብ ኤርትራ ዝድርዑ ኢዮም። እዞም ከባቢታት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፣ ጥንታውያን ገዳማት ዝነበሮም፣ ኣብ በዓትታትን ሰንሰለታውያን ኣኽራናትን እዞም ቦታታት ተዓቂቦም ዘለዉ ሙምያታት፣ ኣብ ጥንታዊ መስርሕ ምዕቃብ ኣስከሬናት ዘለና መረዳእታ ክነዕብይ ዝሕግዙ ኢዮም። ብሓፈሽኡ፣ መበቆል መስርሕ

ምዕቃብ ኣስከሬናት ወይ ሙምያታት ኣብ ኤርትራ፣ ዛጊት ዓሚቝ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ስለ ዘይተገብረሉ፣ ዝወሃቡ መግለጺታት ኣብ መጻኢ ክግበር ዘድሊ መጽናዕትታት ኣንፈት የትሕዙ። ነዚ መስርሕ ብሰፊሑ ናብ ኤርትራ ከም ዝዘርግሑ ዝግለጽ ኣቡነ-ሊባኖስ ካብ ግብጺ ነዚ ጥበብ ሒዞም ከም ዝመጹ ዝሕብር መግለጺ በቲ ሓደ ወገን፣ ነዊሕ ሰረት ፍልጠት መስርሕ ምዕቃብ ውጽኢት ቆርበትን ስጋን ኣብ ጥንታውያን ሕብረተ-ሰባት ኤርትራ ከም ዝነበረ ዝእንፍት ምጉት ከኣ በቲ ካልእ፣ ኣበርኽቶ ዝተፈላለዩ ሞያውያንን ዓውድታቶምን ዝጠልብ ኢዩ። ዛጊት ዝተረኽቡ ሙምያታት ኣብ ጥንታውያን ገዳማት ዝተሓጽሩ ምዃኖም፣ እዚ ዳሕረዋይ መረዳእታ፣ ዛጊት ብሰፊሑ ተቐባልነት ክህልዎ

ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት̀ ዚ፣ ዓውድታት ስነ-ጥንቲ፣ ሞሌኩላር ባዮሎጂ፣ ስነ-ቀመም ወዘተ ኣብ ዙርያ መበቆል እዚ መስርሕ ኣበርክቶኦም ዕዙዝ ይኸውን። ብተመሳሳሊ ኣብዞም ሙምያታት ዝግበር ዕድመ ንምፍላጥ ዝግበር መጽናዕቲ̀ውን (radio-carbon dating) ነቲ ዛጊት ምምጻእ እዚ መስርሕ ኣብ ኤርትራ ካብ 5ይ-8ይ ክፍለ-ዘመን ምንባሩ ዝግለጽ ሓበሬታ፣ ንምድራዕ ወይ ምልዋጥ ኣበርክቶኡ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ጥንታውያን ገዳማት ኤርትራ ዝተረኽቡ ሙምያታት (mummies)፣ ብመሰረት ኣፈ-ታሪኽ፣ መንፈሳዊ ምትእስሳር ዘለዎም ኮይኖም፣ እዚ መስርሕ ዚ̀ ንቝድሳን ዝወሃብ ግቡእ ክብሪ ንምግላጽ ይኻየድ ምንባሩ ይግለጽ። ክንዮ̀ ዚ መረዳእታ፣ እዚ መስርሕ ስለምንታይ ይግበር ነይሩ ንምርዳእ̀ውን ኣበርክቶ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ክዝንጋዕ የብሉን። ብፍላይ ኣብ ዙርያ ባህርያዊ መስርሓትን ሰብ-ሰርሖ ኣገባባትን ክወሃብ ዝኽእል ስነ-ፍልጠታዊ ትንታነ ኣብ መጻኢ ኣፍልጦና ዘዕብይ ኢዩ። ኣብ መደምደምታ፣ ድንቂ ኣብነታት

ስልጣነ ወዲ-ሰብ ኣብ̀ ዚ ክፋል ዓለም ዘጉልሑ፣ ኣብ ኤርትራ ዝተረኽቡ ሙምያታት፣ ዝህብዎ መረዳእታታት ብብዙሕ መዳያት ስለ ዝርአይ ኣብ ስነ-ጥንታዊ መጽናዕትታት ቀርኒ-ኣፍሪቃ ተራኦም ዓብይ ኢዩ። ምዕቃብ እዞም ኣሰራት ዘኽእሉ ስርሓት̀ውን ካብ̀ ዚ ብዘይፍለ ንምርምራውን ቱሪዝማውን ሰሓብነት ዘደንፍዑ ኢዮም።

ብምትሕብባር ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ዝዳሎ ዓምዲ

ኣብ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት ሃም ዝተረኽቡ ሙምያታት

ኣብ በኽዓርን ባረክንሃን ዝተረኽቡ ሙምያታት

Page 4: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 4መበል 27 ዓመት ቁ.161

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ዕላል ምስ ታሪኽ ገብረመስቀል ካብ ህጻንነት ክሳብ ናጽነት

ታሽዓይ ክፋል

ህዝባዊ ሓይልታት፡ ምስ’ቲ ናብ ደቀምሓረ ንኽምለስ ተኸታተልቲ መጥቃዕትታት ዝፍኑ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከቢድ ውግእ ከካይድ ከሎ፡ ዓዲቐይሕ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት መግዛእቲ ስለ ዝነበረት፡ ኣብ መንጎ ክልተ ግንባራት እዩ ዝዋጋእ ዝነበረ። ናይ’ቲ ከባቢ መጓዓዝያ ሰውራ እምበኣር፡ ኣብ ክልተኡ ግንባራት ንዝነበረ ሓይልታት ከገልግል ነይሩዎ። ብተወሳኺ እውን፡ እቶም ግዝያዊ ይኹኑ ቀወምቲ ገራዣት፡ ኣብ ሓድሕዶም እናተመላልኡን እናተሓጋገዙን ዕማሞም የሳልጡ ብምንባሮም፡ ኣባላት መጓዓዝያ፡ ደቀምሓረ፡ ዓላ፡ ከረን፡ ፍልፍል. . . እናተወናጨፉ እዮም ዕማሞም ዝፍጽሙ ዝነበሩ። ምሕራር ከተማታት፡ ህዝባዊ

ሓይልታት ብቐረባ ምስ ህዝቡ ዝራኸበሉ ዕድል ስለ ዘጣጥሐ፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ምዱባት ሰብ ሞያ፡ ከም ኣብ ከረን ብደብዳብ ነፋሪት ዝተሰውአ ክኢላ ቫትላሜራ ገብረሃንስ፡ ፖምፒስታ ስዉእ ዳኒኤል የውሃንስ፡ ፖምፒስታ የውሃንስ (ጆን) ዝኣመሰሉ ሓያሎ ክኢላታት ሓፋሽ ውዱባት፡ ምስ ክፍሊ መጓዓዝያ ይደጋገፉ ነበሩ። ገብረመስቀል በዓል ሞያን

ተጋዳላይን ኰይኑ፡ ኣብ ግንባራት፡ ዓድታትን ሓራ ከተማታትን ብተወፋይነት ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ጋራዥ ዓላ ባሊስትራዮ ዝነበረ ተኸስተ መድሃኔ፡ ኣብ ዓዶምዘማት ኣብ ውድባዊ ዕማም እንከሎ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ተሰዊኡ ብምንባሩ፡ ኣብ ገራዥ ዓላ ናይ ባሊስትራዮ ክኢላ ኣድልዩ። ዋላ’ኳ ሰብ ሞያ መጓዓዝያን ገራዥን በብእዋኑ ናብ ገድሊ ይወጽኡ እንተ ነበሩ፡ ምስ ቅልጡፍ ዕብየት መጓዓዝያ ሰውራ፡ ሕጽረታት እውን ዘይተርፍ ነበረ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ገብረመስቀል፡ ንስዉእ ተኸስተ መድሃኔ ንኽትክእ ምስ በዓል ሓድጉ ትንሱእ (ወዲ ትንሱእ) ናብ ዓላን ደቀምሓረን እናተመላለሰ ግቡኡ ክዓምም ጀመረ። መጓዓዝያ ህዝባዊ ሓይልታት፡

ብመጠን ዕብየቱ ሸፈነኡ እውን እናተዘርግሐ እዩ ከይዱ። ዕጥቅን ስንቅን ሰራዊት፡ ውጕኣትን ካልእ ንዋትን ጽዒነን ካብ ርሑቕ ደጀን ናብ ግንባራት ዝመላለሳ፡ ሰራዊት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘገዓዕዛ፡ ካብ-ናብ ዝግብ፡ ግንባር ዓዲቐይሕ. . . ዝመላለሳ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡሳት ብጻዕቒ ይንቀሳቐሳ ስለ ዝነበራ፡ ምስ’ቲ ዘይምቹእ መንገዲን ኩነታት ዝፈጠሮ ሃታሃታን፡ ብቐጻሊ ባሊስትራን ጎማን የበላሽዋ ነበራ። ኣባላት ጽገና ገራዥ እምበኣር፡ በቲ ሓደ ኣብ ቀወምትን ግዝያውያንን ገራዣት ኰይኖም ክሰርሑ ከለዉ፡ በቲ ካልእ ድማ፡ መኪና ደው ኣብ ዝበለቶ በረኻን

ዓዲን እናተወናጨፉ፡ ለይትን ቀትርን ብዘይዕረፍቲ ይረባረቡ ነበሩ። ስዉእ የውሃንስ ዓንደለ (ወዲ ዓንደለ)፡ ተኪኤ ኣምብራ ዝርከቡዎም መራሕቲ መካይን እውን፡ ምሉእ ለይቲ ኣብ ጕዕዞ እናሓደሩ፡ መካይኖም ኣብ ዝበላሸዋሉ እዋን ምስ ጽገና ገራዥ ኰይኖም ሓኾት ክብሉ፡ ብሓፈሻ እቲ ዕማም ትንፋስ ዘይህብን ኢደይ ኢድካን እዩ ዝነበረ። ኣብ መፋርቕ ናይ 1977 ዓ.ም.

ኣሰር ናይ’ቶም ከም ስዉእ ሚኪኤል ፍስሃየ ዝኣመሰሉ ቀዳሞት ሞያውያን ብምስዓብ፡ ካብ ሓፋሽ ውድብ፡ ናብ’ቲ ድሮ ብንጥፈታቱን ተወፋይነቱን በቒዑዎ ዝነበረ ምዱብ ተጋደላይ ብወግዒ ተሰጋገረ። ብሞያኡን እዋናዊ ጠለብ መጓዓዝያ ሰውራን፡ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ክወርድ ኣይተፈቕደሉን። ምኽንያቱ፡ ኣብ’ቲ ሰብ ሞያ መጓዓዝያ ኣመና ዝድለዩሉ ዝነበሩ ርሱን ኲናት፡ ንውድብ ዘበርክቶ ዝነበረ እጃም ቀሊል ኣይነበረን። ህዝባዊ ሓልታት ተጻብኦ ናይ

ዝተፈላላዩ ሓይልታት እናመከተ ዝግስግሰሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ’ቲ ገራዥ ፍልፍል ዝዓዪ ዝነበረ ክኢላ ባሊስትራ ተስፋይ ገረዝግሄር ምስ መራሒ መኪና ሚኪኤል ሳንቶ፡ ኣብ ካርነሽም ብተጋድሎ ሓርነት ተጨውዩ። ቦታ ናይ ተስፋይ ክትካእ ስለ ዝነበሮ ኸኣ ገብረመስቀል፡ ካብ ግንባራት ከባቢ ኣስመራ፡ ናብ’ቲ ኣብ ደጀን ህዝባዊ ሰራዊት ዝነበረ ገራዥ ፍልፍል ተመደበ። ሽዑ፡ ብሓፈሻ ካብ’ቶም ተለማሚዱዎም ዝነበረ ብጾቱ፡ ብፍላይ ድማ ካብ’ቲ ዝያዳ ዝፈትዎን ዘኽብሮን ዓርኩን ብጻዩን ስዉእ ሚካኤል ፍስሃየ ክፈላለ ድልየቱ እንተ ዘይነበረ’ኳ፡ ውድብ ኣብ ዝመደቦ ክዓዪ ግድነት ስለ ዝነበረ፡ ብዘይዕጻይምጻጻይ ተቐበሎ። ኣብ ስራሕ፡ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ውህደትን ምርድዳእን ኣጥርዮም፡ ኣብ’ቲ ፈታኒ ምርብራብ ናይ ግንባር ሰሓርቲ፡ ብሓባር ኰይኖም ተወፋይነትን ጻዕሪን ዝሓትት ዓበይቲ ዕማማት ኣሰላሲሎም እዮም። ግና ኣብ ሰውራ ከከም እዋኑን ኩነታትን ምግልባጥን ምቅይያርን ልሙድ ኣካይዳ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ስዉእ ኮሎኔል ሚኪኤል ፍስሃየ ኣብ ኩሉ ቦታን ዕማምን ስለ ዝርከብ፡ ኣብ ዝተፈላላዩ ናይ ስራሕ ኣጋጣምታት ይራኸቡ ነበሩ። ፍልፍል ምስ ኣተወ፡ ሕጂ ኣብ

ሓይሊ ባሕሪ ዝርከብ ካብ ናይ ሽዑ ሓለፍቲ ጋራጅ ኮሎኔል ንጉሰ ግርማይን ሓላፊ ምውፋር ዝነበረ ዓርኩን መተዓብይቱን ስዉእ መሓሪ ገረዝግሄርን ተቐቢሎሞ። ማእከላይ ቦታ ፍልፍል እውን፡ ከም ኩላቶም ናይ’ቲ እዋን ገራዣት፡ ዓበይቲ ሕጽረታት ዝነበሩዎ እዩ። ሓለፍቲ ናይ’ቲ ገራዥ ብርቱዕ ስራሕን ሕጽረት መሳርሒን ከም ዘለዎ፡ ኩሉ ጸገማት ብተወፋይነት ክምከት ከም ዝኽእል ሓቢሮሞ። ገብረመስቀል፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ማለት ግንባር

ሰሓርቲን ካልኦት ከባቢታትን ድሮ ነቲ ጽንኩር ናብራ ገድሊን ከቢድ ስራሕን ተለማሚድዎ ስለ ዝነበረ፡ ክብደት ናይ’ቲ ክጽበዮ ዝጸንሐ ስራሕ ኣይዓጀቦን። ነቲ ሓንሳብ ዝፈለሞ ገድላዊ ሂወት ክሳብ መወዳእታ ክቃለሶ ወሲኑ እዩ። ኣብ ፍልፍል፡ ናብ ክፍሊ ታዕሊም

ክወርድ ብቐጻሊ ይሓትት ነበረ። ዝወሃቦ መልሲ ኸኣ ሓደ ዓይነትን ተደጋጋሚን። “ንስኻ ሓድሽ ተጋዳላይ ኣይኰንካን፡ ታዕሊም ዘድልየካ ኣይኰነን፡ እንተ ኣድሊዩ ድማ ኣብ’ዚ ቦታ እውን ንዓኻን ከማኻ ዝኣመሰሉን ናይ ታዕሊም መደብ ስለ ዘሎና፡ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ምኻድ ኣየድልየካን እዩ. . .” ዝብል ነበረ። ከም - ሓላፊ ገራዥ ንጉሰ ግርማይ፡ ሓላፊ መጓዓዝያ ዝነበረ ቢትወደድ ዝኣመሰሉ ኣብኡ ዝጸንሑዎን ድሒሮም ዝመጽኡን ሞያውያን ናብ ታዕሊም ክወርዱ ከለዉ፡ ፋየር ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዝስደደሉ ዕድል ስለ ዘይነበረ ክተርፍ ተገደደ። ኣብ ጋራዥ ፍልፍል ዝጸንሓኦ

መሳርሒታት፡ ድኽም ዝበለት ሞርሳ ባሊስትራ፡ ቢንዳ መልዓሊ ፎርጃ ምስ ብርክት ዝበለ ፈሓም ባቡር ጥራይ እዩ። እቲ ዝተረፈ ብተባላሓትነትን ጻዕሪን እቶም ሞያውያን ክዕመም ዝነበሮ እዩ። ምስ’ቶም ኣብኡ ዝጸንሑዎ ሓለፍቲ ናይ’ቲ ገራዥ፡ ንጉሰ ግርማይ፡ ስዉእ ወልደሩፋኤል ተኽለ፡ ተኽለ ወዲ ቐሺ፡ ስዉእ መሓሪ ገረዝግሄር፡ ስውእ ፍትዊ ገብረሃንስ (ሓፋሽ)፡ ሜጀር ተኸስተ ተኽለ (መርሓኖ) ዝርከቡዎም ሞያውያን ኰይኑ፡ ብፍላይ ንሞያ ሞያባሊስትራዮ ብሓላፍነት ተቐቢሉ፡ ብዘይእኹል መሳርሒታት ስራሕ ጽገና ተተሓሓዞ። ብሕጽረት መሳርሒ ካብ መደብካ ምብኳር የለን። ገብረመስቀል፡ ፉርጃን ፍሓምን ጥራይ እንተ ረኺቡ፡ ካብ ፍቐዶ ውግእ ዝግበረሉ ቦታ ሓጻውን እናማእረረ፡ ኣርሲኑ እናቐጥቀጠ፡ ጸሪቡ እናስተኻኸለ፡ ዝደለዮ ቅርጺ እናትሓዘ፡ ንሕጽረታት ብተበላሓትነት እናመለአ፡ መቀያየሪ ኣካላት መኪና ካብ ምስራሕ ደው ኣይብልን። ምስ ሚኪኤል ፍስሃየ ኣብ

ዝሰርሓሉ እዋን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ዓዲ እንከሎ ዘጥረዮ ፍቕሪ ጻዕሪን ስራሕን፡ በቲ ዘይሕለል ባህሪ ተበላሓትነት ስዉእ ሚኪኤል ፍስሃየ ኣመና ስለ ዝተጸልወ፡ ኣብ’ቲ ሞያኡ ዝዀነ ባሊስትራዮን ሳልዳቶረን መሃዝነት እናወሰኸ ዓበይቲ ዕማማት ከሰላስል ግዜ ኣይወሰደሉን። ዝሓዞ ዕማም ከየስለጠ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኣይረክብን። ብጻዕሪ’ቶም ፋየር ዝርከቦም ኣባላት፡ መጓዓዝያ ሰውራ ምስ’ቲ ርሱን ናይ ኲናትን ገልጠምጠምን እዋን እናሰጎመን እናዓበየን፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ደርግ፡ ዓበይቲ ዓወታት ንኽምዝገብ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ደጀን ፍልፍል፡ ማእከላይ ቦታ

ህዝባዊ ሓይልታት፡ ቀንዲ ማዕከን ዕማማት ውድብን መናሃርያ

ተዓለምቲን ብምንባሩ፡ ኣመና ጽዑቕ ስራሓት ዝዕመመሉ እዩ ነይሩ። ካብ ከረን፡ ሳሕል፡ ደቡብ፡ ካብ ክፍልታት ህዝባዊ ግንባር ይኹና ካብ ግንባር ዝመላለሳ ተሽከርከርቲ፡ በቲ ሕማቕ መንገዲ ፍልፍል እንክንቀሳቐሳ ብቐጻሊ ስለ ዝስበራ፡ ቀጻሊ ዝዀነ ናይ ጽገና ስራሕ ክህሉ ግድን ነበረ። ኣብ ተሽከርከርቲ፡ ቀጻሊ ምስባር ባሊስትራን ምብልሻው ጐማን ከጋጥም ናይ ወትሩ ተርእዮ እዩ ዝነበረ። ናይ ገራዥ ፍልፍል ኣመና

ጽዑቕ ጽገና ተሽከርከርቲ፡ በቶም ውሱናት ኣባላት ጽገና ጋራዥ ክዕመም ስለ ዝነበሮ፡ ድቃስን ዕረፍቲን ክሳብ ዝርሳዕ፡ ለይቲን ቀትሪን ሓኾት ምባል መዓልታዊ ትዕድልቲ ሰብ ሞያ ኰይኑ። ኣብ ርእሲ ዋሕዲን ጽዑቕ ናይ ጽገና ስራሕን፡ ነፈርቲ ውግእ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ መሬት ወጊሓ ክሳብ እትዓርብ፡ ኣብ ሰማያት ፍልፍል እናዘንበያን ቡምባታት እናዝነባን ካብ ምህዋኽ ኣብኲረን ኣይፈልጣን። ሕጽረታት መሳርሒን መቀያየሪን

ንምምላእ፡ ገብረመስቀልን መሳርሕቱን፡ ሓንሳብ ካብ ዝሓረራ መካይን ስርዓት ኢትዮጵያ መቀያየሪ እናማእረሩ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ካብ ዝነበራ መካይን ፈታቲሖም መቀያየሪ እናኣከቡ፡ ንገራዥ ፍልፍል ከዕብዩ ከይደቀሱ ዝሓድሩሉ እዋን እዩ ነይሩ። ገሊኣቶም ዝተሰልበት ተሽከርካሪት ክዝውሩ፡ ገለ ዝተበላሸዋ ክዐርዩ፡ ገለ መንገዲ መኪና ክጸርጉ፡ ዝተሸኽለት መኪና ከውጽኡ፡ ከባቢኦም ንምክትታል ዋርድያ ክወጽኡ. . . ከም ተዋጋኣይን ሰብ ሞያን ይዀኑ። ገብረመስቀል፡ ኣብ መካይን ጥራይ ከይተወሰነ፡ ኣብ ፍርጆ ሓዊ እናርሰነ፡ ንመኹዓቲ፡ ንመቕበሪ ፈንጂ መዅዓቲ ዝኸውን ስካርቤሎ፡ ኣብ ግዜ ጸገም፡ ጉንዲ ጸሪቡን ተጣቢቡን ከም ባሊስትራ ኣብ መካይን ብምግጣም፡ መሳርሒታትን መቀያየሪ መኪናን እናተበላሓተ፡ ደኺመ ከይበለ ብሞራል ምስራሕ ቀጸለ። ኣብ ገራዥ ጸኒሑ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዝዓይነተን መካይን. . .፡ ብጻዕሪን ድኻምን ኩሉ የረኻኽበሉ። ሓይልታት፡ ብቓፍላይ ኣብ ልዕሊ

ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ጸላኢ ድብያ እናገበረ፡ ብዝሒ ዘለወን ተሽከርከርቲ የቃጽልን ይማርኽን ስለ ዝነበረ፡ ኣባላት ጽገና ገራዥ፡ ኣብ ናይ ኲናት ቦታ ብምኻድ ነተን ብኡ ንብኡ ክዕረያ ዝኽእላ እናጸገኑ ከም ዝሰርሓ ክገብሩወን ከለዉ፡ ነተን ዝዓነዋ ከኣ፡ ንመቀያየሪ ኣቝሑን ንኻልእን ምእንቲ ክዀና፡ ኣካላተን ብምፍታሕ ናብ ገራዣት የግዕዙወን ነበሩ። ቦምባታት ነፈርቲ ውግእ፡ ተዂሲ

ኣጋር ሰራዊትን ደብዳብ ከቢድ ብረትን እናዘነቦም፡ እናተሰውኡን እናተወግኡን ካብ ፍቐዶኡ ኣካላት መኪና ፈታቲሖም፡ ኣብ መካይንን እንሓንሳብ ከኣ ኣብ ዝባኖም ጸይሮም ነዊሕ መንገዲ ብምጕዓዝ ኣብ ጥቕሚ

ሰውራ ከም ዝውዕል ይገብሩ። ፍልፍል ብኹለንትንኡ ንውድብ

ህዝባዊ ግንባር ኣገዳሲ ቦታ ኰይኑ እዩ ቀጺሉ። ብቕርጺ መሬቱ፡ ዘየቋርጽ ማዩን ዕሙር ኣግራቡን፡ ዳርጋ ኩላተን ትካላትን ክፍልታትን ውድብ ዓሲለናኦ ነበራ። ንሕክምና፡ ስንቂ፡ ጋራዥ፡ ምንቕቓሕ፡ ሕርሻ፡ ጥሑና. . . ዝወሓጠ ኣግራብን ሰናጭሮን ፍልፍል፡ ኣብ ርእሲኡ፡ ከም ማእከል ደጀን ከበሳን ቆላን ወሳኒ መስመር መጓዓዝያ ብምንባሩ፡ ጻዕቒ ምንቅስቓስ ኣይፍለዮን። ኰይኑ ግን፡ ምስ ብዝሒ ጎቦታት፡ ሰናጭሮ፡ ሩባታት ንጉዕዞ ኣመና ኣጸጋሚ ምዃኑ፡ ናብራ ተጋደልቲ ዘይምቹእ ገይሩዎ። እቲ ብኣህላኺ ዕማም ዝተቐበሎ

ገራዥ ፍልፍል፡ ባህታ ዝዘርእ ትርኢት ነይሩዎ። ኣብ’ቲ ሓምላይ ሕብሪ ዝጎልበቦ ቅርጺ መሬት፡ በቲ ሓደ ተስፋ ናይ ናጽነት ተደሚሩዎ፡ በቲ ካልእ ትሕዝቶ ተፈጥሮኣዊ ብዙሕነት ፍልፍል፡ ምስ’ተን በብዓይነቱን ሰሓቢን ትርኢት ዝውንና ኣዕዋፍ እናዕለሉን ድምጸን ከም ሙዚቃ እናስተማቐሩን፡ ልዕሊ ዓቕሞም ስርሕ ውዒሎም ብድኻም ዘፍ ምስ በሉ፡ ኣብ’ቲ ጃሕ-ጃሕ ዝብል ሓቒቕ ማይ ሩባታት ፍልፍል ኣካላቶም ተሓጺቦም፡ ኣብ ጽላል’ቶም በብዓይነቶምን ልሙዓትን ኣግራብ ተጐጂሎም ወጃዕ ክብሉ መንፈሶም ይሕደስ ነበረ። ኩሉ ዕማማት ከኣ ባህ እናበሎም ይሰርሑዎ። ኣባላት ገራዥ ፍልፍል፡ ኣብ’ታ ሓጻር ናይ ዕረፍቲ ግዜ ብፍቕሪ ተሓቛቚፎም፡ እቲ ለዋህን ሃያብን ምድሪ ዘፍረዮ ዕፉን ኣብ ፉርጃ ጠቢሶም መለሳ ከስዐ እናገበሩ፡ ሳሕቲ ከኣ ፍርያት ናይ እንዳ ሕርሻ ዝዀነ ኣራንሺን መንደሪንን እናቋሰዩ፡ ከምኡ’ውን ካብ’ቲ ነቲ ገራዥ ከቢቡዎ ዝነበረ ገረብ ሸምጢጦም ቡን እናሰተዩ፡ ነቲ ከቢድ ሂወት ብመለሳ የምእዝዎ። ብሰማይ ጠቀስ ጎቦታት ኣብ ዝተኸበበ ዕሙር ደጀን ፍልፍል ሸናዕ ክብሉ ከለዉ፡ ተጋዳላይ ከኣ ብመካይን ካብ ናብ እናተወናጨፈ፡ “ተጋዳላይ ክዋጋእ ከሎ፡ ኣምሓራይ ክሃድም ከሎ፡ ሓይሊ ሓፋሽ ኣሰላሲልካ በሎ” እናበለ፡ ዓወቱ ናይ ግድን ምዃና እንከቃልሕ፡ ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒት ይንጸባረቕ ነበረ።

ይቕጽል. . .

ገብረመስቀል ገብረገርግሽ

Page 5: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 5መበል 27 ዓመት ቁ.161

ልቦናን ፍልስፍናን

ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል

ነብስኻ ምእላይ

“ንገዛእ ርእስኻ ክብሪ ክሳብ ዘይሃብካ፡ ንግዜኻ ከቶ ከተኽብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ግዜኻ ክሳብ ዘየኽበርካ ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ክትዓዪ ኣይትኽእልን ኢኻ።” - ስኮት ፐክ“ንዓለም ክቕይር ዝሓስብ

እምበር፡ ንነብሱ ክቕይር ዝጽዕር ሰብ የለን።” - ኮምፐርኒከስ ኣብ ከባቢ ህዝባዊ ቤት ንባብ

ኣስመራ፡ ሓደ መንእሰይ ብስመይ ተዳህዩኒ። ኣቐዲመ ዝፈልጦ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። ንሱ እውን፡ ኣነ ከም ዘይፈልጦ ተቐዳዲሙ ኣረጋጊጹለይ። ሳሙኤል ምዃኑ ስሙ ተላልዩኒ። ተኸታታሊ ጽሑፋተይ ምዃኑ ኣስዒቡለይ። ኣመስጊነዮ።“ህይወተይ ብኸመይ ከም

እተቐየረ ከዕልለካ ደልየ ነይረ።” ኢሉኒ ተመቕሊሉ።“ግርም።” ዘይከምኡ እንታይ

እደሊ! ምኽንያቱ፡ ተመኵሮኡ ንኻልኦት መንእሰያት ክሕግዝ ኣቐዲመ ተተስፍየ።“ምሒር ሕማቕ ህይወት እየ

ኣሕሊፈ። ክሳብ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ተማሃራይ ዝነበርኩሉ፡ ኣብ ትምህርተይ ግዱስ ነይረ። ናብ ካልኣይ ደረጃ ምስ ሰገርኩ፡ ገለ ኣዕሩኽተይ ልዕሊ ወለደይ ክጸልዉኒ ጀሚሮም።”“ብጽቡቕ ድዮም ዋላስ

ብሕማቕ?”“ብሕማቕ እምበር። ተሓቢአ

ምስኦም ሽጋራ ምትካኽ ጠልቀፍቀፍ ክብል ጀሚረ። ምስ ደቀንስትዮ ምልኻፍ መንፍዓት ኰይኑ ክስመዓኒ ጀሚሩ። ኣልኮላዊ መስተ እውን ኣይገደፍኩን።”“ትምህርትኻ ሸለል ኢልካ ማለት

ድዩ?”“ትምህርቲ ናይ ፋራታት እዩ

ክብል ጀሚረ። ንዕውልና ግዳ፡ ናይ ስልጡናት ከም ዝዀነ ክጀሃረሉ ጀሚረልካ።”“እዚ ናይ ብዙሓት መንእሰያት

ጸገም እኮ እዩ።”“ኣብ ማትሪክ ነጥቢ ኣየምጻእኩን።

ከምጽእ እውን ኣይተጸበኹን። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ሰራዊት ተመዲበ። እተን ዝወሃባኒ ናይ ጁባ ገንዘብ ብምሉአን ኣብ መስተን ሽጋራን ከጥፍአን ጀሚረ። ዋላ ነቲ ካብ ስድራይ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ገንዘብ ቍምነገር እገብረሉ ኣይነበርኩን። ብዘይዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ሰትየ፡ ኣብ ጐደና ተደርብየ ዝሓድረሉ እዋን ሳሕቲ ኣይነበረን። ሽጋራ እሞ ኸኣ፡ ንደቒቕ እውን ትዅን፡ ዕረፍቲ ኣይነበረንን። …”“ብኸመይ ደኣ ተቐይርካ?”“ኣብ ዓሰብ ኣባል ሰራዊት

እንከለኹ፡ ሓደ ኵነታተይ እተገንዘበ ኣባልና ሓንቲ ሕቶ ኣቕሪቡለይ።”“እንታይ ትብል ኮን ትኸውን?”

ተሃንጥየ ሓቲተዮ።“‘ንምንታይ ከም እተፈጠርካ

ትፈልጥዶ?’ ኢሉ ሃንደበት ኣዋጢሩኒ።”“እሞ እንታይ በልካዮ?”

ብውሽጠይ እዛ ሕቶ እንተ ትቐርበለይ እንታይ ኢለ ክምልስ ከም ዝኽእል ኣብ ምስልሳል ተሸሚመ።“መልሲ ኣይነበረንን። መልሲ

ናይታ ሕቶ ንመላእ ህይወተይ ክቕይሮ ከም ዝኽእል ብእኡ ንብኡ ተሰቍሩኒ። ‘በጃኻ እባ ንምንታይ ከም እተፈጠርኩ ንገረኒ!’ ነቲ መንእሰይ ከረው ኣቢለ ሒዘዮ።”“እሞ እንታይ ደኣ በለካ?”“‘ባዕልኻ ክትምልሳ ፈትን።’

ኢሉ ኣቕቢጹኒ።”“እሞ ክትምልሳ ክኢልካዶ?”“እሂናይ ደኣ! ብዘይምኽንያት

ከም ዘይተፈጠርኩ ተረዲኡኒ። ነቲ ዝሓለፍክዎ ሕማቕ መንገዲ፡ ንሓዋሩ ክእለየሉ ከም ዘለኒ ተገንዚበ። ካብኡ ክእለ ጥራይ ዘይኰንኩ፡ ነቶም ኣብ ከምኡ ህይወት እተጨማለቑ መንእሰያት እውን፡ ካብ ተመኵሮይ ተበጊሰ ክሕግዞም ከም ዘለኒ ተገንዚበ። ሕጂ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ምጩዋት ቈልዑን እየ። ኣነ …።”ዛንታኡ ምስ ወድኣለይ፡

ስምዒታዊ ኰይነ ሓቝፈዮ። እቲ ዅሉ ዘሕለፎ ሓጐጽጐጽ ብዓይኒ ሕልናይ ክቐርጾ ሓሊነ። ካብ ጌጋኡ ካብ ዝማሃር ሰብ ንላዕሊ ዘሐጕሰኒ የብለይን።ብዙሓት ብኣካል ዝፈልጦም

ሰባት፡ ሓንሳእ መንገዲ ጸጋም ምስ ሓዙ፡ ፈጺሞም ናብ ልቦም ክምለሱ ኣይደልዩን እዮም። ሓንሳእ ግዙኣት ኣልኮላዊ መስተ ምስኰኑ፡ ብእኡ ኣቢሎም ክሳብ መጠረሽታ ዕምሮም ኣይብልዑ ኣይስልዑ ይዀኑ። ሓንሳእ ምስ ሰባት ምዕግርጋርን ምብኣስን ምስ ጀመርዎ፡ ብእኡ ኣቢሎም ነቲ ባህሪ መፋጥርቶም ይገብርዎ። ሓንሳእ ኣታሊሎም ደቀንስትዮ ምጥናስ ምስ ጀመሩ፡ ብእኡ ኣቢሎም ህይወት ብዙሓት ኣሓትና የጸልምቱ።እቲ ጽቡቕ ነገሩ፡ ርእሰ ምስልና

ናይ ምቕራጽ ሓላፍነት ኣብ ኢድና ምዃኑ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ቀባኣይ (ሰኣላይ)፡ ነቲ ዝስእሎ ከጸብቕ ምሒር ዝሃልኽ፡ ንሕና እውን ርእሰ ምስልና ንምኵሕሓል ዝከኣለና ጥንቃቐ ክንገብር ይግባእ። እቲ ዘገርም ርእሰ ምስልኻ ካብቲ

ካልኦት ሰባት ዝርእዩኻ፡ እተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ሰባት

ዋላ እኳ ምሁራት፡ ሃብታማት፡ ምልኩዓት፡ … ይዅኑ፡ ሕማቕ ርእሰ ምስሊ ክህልዎም ይኽእል። ብመንጽሩ፡ ካልኦት ጽንኵር ናብራ ዘሕልፉ፡ ኣዝዩ እወታዊ ርእሰ ምስሊ ከማዕብሉ ይኽእሉ።ገለ ሰባት፡ “ርእሰ ምስሊ ሓደ

ሰብ በቶም ዝጸልዉዎ ፍጻመታት (መንፍዓቱ ኣብ ትምህርቲ፡ ስራሑ፡ ዝምድናታቱ፡ …) እዩ ዝጽሎ።” በሃልቲ እዮም። ካልኦት ከኣ፡ “ርእሰ ምስሊ ሓደ ሰብ እዩ፡ ነዞም ፍጻመታት ዝጸልዎም።” ብምባል ሽምጦም ሒዞም ይምጕቱ። ምናልባት ኣብ ክልቲኦም

ምጕታት ገለ ሓቅታት ኣይሰኣኑን ይዀኑ። ሓደ ሰብ ኣብ ገለ መዳይ ምስ ዝፈሽል፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ሕማቕ ስምዒት ክሓድሮ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጽቡቕ ክስመዓካ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ዕዮኻ ዝበለጸ ኣድማዒ ክትከውን ትኽእል።ርእሰ ምስልኻ ኣብ ሓጐስካ

ሓያል ጽልዋ እዩ ዘለዎ። ኣብ ህይወት ዘለካ ኣጠማምታ ከኣ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ክጸልዎም ይኽእል። እወታዊ ርእሰ ምስሊ ምስ እተንጸባርቕ (project)፡ ሰባት ከም እወታውን ክኢላን ሰብ ሓንጐፋይ ኢሎም ይቕበሉኻ።ርእሰ ምስልኻ እወታውን

ክውንነታውን ክኸውን ኣመና ኣገዳሲ እዩ። ርእሰ ምስልኻ ዘይክውንነታዊ እንተ ዀይኑ፡ ርእሰ ምስልኻ እወታዊ ይዅን ዋላ ኣሉታዊ፡ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል። እናሓንሳእ ገለ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ወይ ነቐፌታ ብዛዕባኻ - ንለውጢ፡ ህርኩትነትን ዓወትን ዘተባብዕ እዩ። እናሓንሳእ እምብዛ እወታዊ ርእሰ ምስሊ ምስራጽ - ንቕሱንነት (complacency)፡ ትሕተ ብቕዓትን ትዕቢትን ይደፋፍእ። ኣብ መንጎ ኣብ ገዛእ ርእስኻ እወታዊ ኣመለኻኽታ ምምዕባልን ክውንነታዊ ሸቶታት ምሕንጻጽን ሚዛን ምሕላው ኣገዳሲ እዩ።ብቕንዕና ክትምልስ እስከ ፈትን።

ብሓቂን ብቕንዕናን ንገዛእ ርእስኻ ትፈቱዶ? ብመልክዕካ፡ ሰብኣዊ መንነትካን ክእለትካን ሕቡን ዲኻ? ኣብ መስትያት መልክዕካ ክትርኢ እንከለኻ፡ ብግዳማዊ ጽባቐኻ እንታይ ይስመዓካ? ኣብ ማሕበራዊ ጕዳይ ክትዛነ ምስ ከድካ፡ ሃንደበት ስምዒት ሻቕሎት ይወርረካ ድዩ?ርእሰ ምስልና (self image)

ብዝተፈላለዩ ጠንቅታት ክወጃበረና ይኽእል። ኣብዛ ዓለም ምስ ዝመጽኡ ፋሽን ንዓብድ እንተ ዄንና፡ መን ምዃንና ክሳብ ንገዛእ ርእስና እንጋጊ ክንከውን ንኽእል። ንገዛእ ርእስና በታ ዘላታ ዘይኰንናስ፡ በቲ ክትኰነልና እንምነያ ክንመዝና ንኽእል። እዚ ተመሊሱ ንህይወትና ምሒር ይሓላልኾ።ንገዛእ ርእስኻ በታ ዘላታ ምስ

እትቕበላ ኢኻ፡ ዝበለጸ ርእሰ ክብሪ (self esteem) ክትረክብ እትኽእል። እዚ ማለት ጨሪስካ ክትልወጥ የብልካን ከስምዕ የብሉን። ንገዛእ ርእስኻ ጨሪስካ ክትነቅፍ የብልካን ማለት እውን ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነዚ ዘለኻዮ ኵነታት ከቶ ክትክሕዶ የብልካን። ካብ ህሉው ኵነታትካ ብቕንዕና ምስ እትብገስ ጥራይ ኢኻ፡ ኣብ ህይወትካ ዘተኣማምን ለውጢ ከተመዝግብ እትኽእል።ገዛእ ርእስኻ ምቕባል (self

acceptance) ማእለያ ዘይብሉ ረብሓ ኣለዎ። ገለ ካብኦም - ሰላም ኣእምሮ ኣብ ምስፋን፡ ዝያዳ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምርዳእ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ምድንጋጽ፡ … ክጥቀሱ ይኽእሉ። እቲ ህቡብ ሊቕ ስነ ልቦና

ካርል ሮጀርስ ኣብ 1960ታት ብዛዕባ ዘይቅድመ ኵነታዊ ክብሪን ኣገዳስነቱ ኣብ ሰብኣዊ ዕብየትን ዓሚቝ መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ። ከም ምርምር እቲ ሊቕ፡ “ወለዲ ቅድመ ኵነታዊ ክብሪ ኣብ ህጻናት ደቆም ዘንብሩ እንተ ዀይኖም፡ እቶም ህጻናት ምስ ዓበዩ ተጠራጠርትን ንገዛእ ርእሶም ብነቐፌታ ዘሳቕዩን ይዀኑ። ሓደ ህጻን ኣብ ትምህርቱ ጽቡቕ ነጥቢ ምስ ዘምጽእ ጥራይ ወለዱ ከም ዘፍቅርዎ እንተ ተረዲኡ፡ ንገዛእ ርእሱ ብዓይኒ ወለዱ ጥራይ እናመዘነ የሳቕያ።” ኣተዓባብያናን ተመኵሮናን

ብዘየገድስ፡ ክሳብ ዝከኣለና ገዛእ ርእስና ከነማሓይሽ ይግባእ። ገዛእ ርእስኻ ምምሕያሽ ክበሃል እንከሎ፡ በዚ ሎሚ ዘለኻዮ ከይዓገብካ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽትበጽሕ ኣድላዪ ስጕምቲ ምውሳድ እዩ። ብትምኒት ጥራይ ኣብ እቲ

እትሓልሞ ዕብየት ክትበጽሕ ከቶ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብኻልእ ኣበሃህላ ናትካ

ምምሕያሽ ምስ ትግባርካን ዕብየት መነባብሮኻን ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ገለ ሰባት ኣታዊታቶም ክብ ብምባል፡ ንዕለታዊ መነባብሮኦም ከማሓይሹ ይሕልኑ። ገዛእ ርእሶም ከማሓይሹ ግዳ፡ ሓሲቦምሉ ኸማን ኣይፈልጡን።ኣእምሮኻ ከተማዕብል፡ ባህሊ

ንባብ ከተጥሪ ግድን እዩ። ምንጪ ኣታዊኻ ንኸተኻዕብት፡ ብቕዓትካን ፍልጠትካን ከተማሓይሽ ግዴታ እዩ። ንእንታይነትካን ብቕዓትካን ከተማሓይሽ እንተ ኽኢልካ፡ ንኣከባቢኻ ብጽቡቕ ናይ ምልዋጥን ምጽላውን ሓይሊ ይፈጥረልካ።ገዛእ ርእስኻ ብምምሕያሽ

ኣብ መንገዲ ዓወት ንምርጋጽ ክተቕርቦም እትኽእል ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ሀ. ክገብሮ ዝኽእልን ክዕወተሉ

ዝኽእልን ፈሊጠ ከተግብሮ ጀሚረዶ?ነቲ ክትዕወተሉ እትኽእል

ብግባእ ኣለልዮ እሞ፡ ብዝተኻእለካ ዓቕሚ ኣበርቲዕካ ክትስርሓሉ ጀምር። ኣብቲ ዘይተድማዓሉ ብምትኳር ካብ ንኸንቱ ምድካም፡ ኣብቲ እተድምዓሉ ብምትኳር ዓወት ኣብ ርእሲ ዓወት ምሕፋስ ከም ዘዋጽኣካ ዘጠራጥር የብሉን። ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ብዙሓት ህርኩታት፡ የግዳስ ዘይዕዉታት ሰባት የጋጥሙና እዮም። እቲ ጠንቂ ኣብቲ ዘየድምዑሉ ባይታ ስለ ዝርህጹ እዩ።ለ. ነዚ ተግባር ክሳብ እቲ ክዓብየሉ

ዝኽእል ደረጃ ኣብጺሐዮዶ?ነቲ እተድምዓሉን እትደልዮን

ኣለሊኻ ከተተግብሮ ድሕሪ ምጅማርካ፡ ኣተኵሮኻ ነቲ ተግባር ናብ ምዕባይ ከተዝሮ ይግባእ። ነቶም ብዝግባእ ዘየዕበኻዮም ንኣሽቱ ክእለታትካ ንኸተዕቢ ካብ እትሃልኽ፡ ንሓደ ንገር ብዝግባእ ብምብሳል ውጽኢታዊ ክትከውን ይምረጽ። ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሓደ ሞያ ነኺሶም ኣብ ክንዲ ምሓዝ፡ ካብ ሓደ ሞያ ናብቲ ካልእ ክናጠሩ ይርኣዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ላህመታዊ ፍልጠት ጥራይ ሒዞም ይተርፉ።ሐ. ንኽእረም ኣእምሮይ ክፉት

ድዩ?“ኣነ እፈልጥ! ዝኾነ ሰብ

ክእርመንን ክመኽረንን ኣይክእልን እዩ።” ዝብል ኣረኣእያ እንተ ኣማዕቢልካ፡ ንገዛእ ርእስኻ ንውድቀት ሓጺኻያ ኣለኻ። ንዓኻ ዘይረኣየካ ኣበር ክርእዩ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ዙርያኻ ከም ዘለዉ

ሳልሳይ ክፋል

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

Page 6: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 6መበል 27 ዓመት ቁ.161

ሓጺር ዛንታእነሀኹ ምስ ሎሊ ክራኸብ ኣብ

ናይ ቆጸራ ቦታ እጽበ። ሎሊ እታ ምትሃታዊት ፍጥረት፡ መለኮታዊ ሓይሊ ዘለዋ ተፈቃሪት። ኣብ ናይ ፈለማ ጠመተይ፡ ቅዳሕ ምስላ ኣብ ኣዒንተይ ምስ ተረፈ፡ ብዘይካኣ ዝርእዮ የብለይን። ልበይ ማዕጾኡ ሰቢራ ዝኣተወት ጋሻ ከም ዘላ፡ ብዘይሕብእብእ ነጊሩኒ እዩ። መናድቕ ውሽጢ ልበይ ብዘይጠገለ እናኳሕኰሐት ተናውጸኒ። ብበርቂ ፍቕሪ ገሲማ፡ ኣብ ሕልመይን

ጋህደይን ካብ እትሰፍር ንደሓር፡ ፍቕርን ስግኣትን ተቐባቢሎሙለይ። ምኡዝ ቃንዛ ኣብ ውሽጠይ ሰቲረ ተሓሚሰላ። ምእንቲ ሎሊ ባህርያት ደቂ-ኣንስትዮ

ከጽንዕ ከይደቀስኩ እየ ቀንየ። ተፍቅረኒ እንተ ዀይና፡ ሓደ - ኣብ ቆጸራኣ ክትመጽእ ኣለዋ፡ ክልተ - ንኣዒንተይ ቀው ኢላ ክትጥምተን ኣይትደፍርን፡ ሰለስተ - አፍቅረኪ እየ ምስ በልኩዋ ሕንኽንኽ ክትብል እያ - ኣርባዕተ ኣመና መልኪዓ ክትመጽእ እያ - ሓሙሽተ - . . . ድሕሪ ናይ መዓልታት ናይ ኣጋጣሚ

ሌላና፡ ንፈለማ እዋን ሎሚ ብቖጸራ ክንራኸብ እጽበያ ኣለኹ። ሎሊ - ካብ ካልእ ዓለም ከም እትመጽእ ኣደናቒት ፍጥረት ኣዒንተይ ብሃረርታ ይጽበያኣ ኣለዋ። ምስ ሎሊ ክላለን ክቖጽራን

ብምኽኣለይ፡ ክሳብ ክንድኡ ሓይሊ ከም ዘለኒ ከይተገንዘብኩ ብምጽንሐይ፡ ንነብሰይ ቀኒአላ። ኣነ ምስ ሎሊ፡ ኣነ ብዘይሎሊ ተቐናኒእና። ኣብ ርእሲ ፍቕሪ - ፍቕሪ እናተደረበኒ፡ ክሳብ ዓንቀረይ ተመንየያ። ኣመና ሓናኽ እያ። ሓደ ካብ’ቲ

ብፍቕሪ ቅጽጽ ከም ዝብል ዝገብረኒ ባህሪኣ እዩ። ሎሚ ልበይ ንቡር ፍቕዲ ህርመታ ተዘናቢሉ፡ ሓንሳብ ክትቅልጥፍ እንሓንሳብ ድማ ክሳብ ከም ዘየላ እትመስል ክትዝሕል ይፍለጠኒ ኣሎ። ቆጸራና ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ክነሱ፡ እቲ ምስኣ ዝብሎ ክውስንን ትርኢተይ ማራኺ ንኽገብርን ምሉእ መዓልቲ ተጸሚደ እየ ውዒለ። እነሀት መጺኣ፡ በቲ ዓቢ ጎዳና ናብ ክልተ

ኣንፈት ዝዛሪ ሰብ ንእለት ካብ ትርኢተይ ተሰዊሩ፡ ንሳ ጥራይ ኣብ ኣዒንተይ ተሪፋ ኣላ። ከም ውዱን ጽዕነት ንላዕለዋይን ታሕተዋይን ኣካላታ ብመጻብቦ ዝኸፈለ ሽምጣ፡ ምስ’ቲ ዝኸበቦ ጸሊም ቁልፊ ዕታር ሰቲ መሲላ’ላ። ኣብ ናይ እቶ እቶ ሰዓታት ኣብ ቃልዕ ከም ዝተረፍኩ እምበር ሸበድበድ ኢለ! ‘ኡፍፍፍፍፍፍፍ. . .” ኣብ ጥቓይ በጺሓ። ‘ሰላም ምቁረይ!” ደምበርበር እምበር

ኢለ። ናይ ብሓቂ ድየ ካብኣ ዝሰምዖ ዘለኹ። ተመስገን ፈጣሪ! ኣእዳዋ ዘርጊሓ ደረታ ኣብ ደረተይ ኣዕሪፋቶ። ልምሉም ቀርኒ ንደረተይ በሲዑ ብዝባነይ ከም ዝወጽአ ወላእላእ እብል ኣለኹ። ልሳነይ ተለጒሙ እዩ። ባዕላ ክሳብ እትፍንወኒ ኣብ ደረታ ተዓቚበ ብሽታኣ ምስካር ጥራይ እዩ ምርጫይ። “ምቍረይ” ከም ቅኒት ደወል ወጋሕታ፡

ናይ ኣዕዋፍ ናይ ባህታ ጫቑጫቑታ፡ ከም ምኡዝ ሙዚቃ ሕልሚ፡ ከም ናይ ምድረ በዳ ህዱእ ዛራ. . . ኣእዛነይ ብስስዐ ቍሒሞሞ። ብዕንዙዘይ ምልውዋጥ ሰላምታና

ግዳም ክዳና

ኣብቂዑ ኣሎ። “ኬቶ ካፈ ንኺድ?” ኢላትኒ ከም

ትእዛዝ። “ሕንኽንኻ ናበይ ከይዱ ሎሚ!” እናበልኩ ምስ ገዛእ ነብሰይ እዛረብ ኣለኹ። ዕልቕልቕ ተገልገልቲ ዘይፍለዮ ፋስት

ፉድ ምምራጻ ባህ ኣይብለንን ኣሎ። ንበይና እየ ዝደልያ። ንሎሚ ፍጡር ዘበለ ኣብ ሰሰፈሩ እንተ ዝኽወል ዓለም መሊሳ ምተበርሃትኒ። በቃ! ጥቕጥቕ ዝበሉ ዓማዊል ኣብ

ቁራዕ ፈለኽለኽ ዝብሉ ሓሳኹ ኰይኖም ተሰሚዖሙኒ። ልዳት ሰጊርና። ብሰለስተ ኵርናዕ ናይ’ቲ ካፈ “ሎሊ፡ ሎሊ. . .” እናተቐባበሉ ይጽውዑዋ ኣለዉ። ልበይ ሸሪቦሞ። ብድሙቕ ፍሽኽታ “ሃይ፡ ሃይ፡ ሃይ” እናበለት ሰላምታ ክሳብ ትለዋወጥ ኣብ ማእከል ምድሪ ቤት ተዓኒደ እጽበያ ኣለኹ። ፍሽኽታኣ ንዓይ ጥራይ ዝዀነሉ እዋን ክመጽእ ጸሎት ምግባር ኣይገደፍኩን። ኡፍፍፍፍፍፍ. . . ሰላምታ ወዲኣ

ኣዒንታ ሰብ ዘይብሉ መንበር የናድያ ኣለዋ። “ንዓባ እንታይ ደኣ ኣብኡ ተዓኒድካ?”

እናረኣኹዋ እየ ተዓኒደ ጸኒሐ። ግን ድፍረታ ተስፋ ኣቝሪጹኒ። ኣብ ማእከል እቲ ብተገልገልቲ ዘዕለቕለቐ ካፈ ኮፍ ኢልና ኣለና። ኣብ ጣውላና ክልተ ደቂ-ተባዕትዮ ኣለዉ። ከይፈለጥኩዎም ብልቢ ዝጸላእኩዎም ኣወዳት። ኩሉ ኣብ ጸላእተይ ዝነበረኒ ቅርሕንቲ ኣብኣቶም ተጠቕሊሉ፡ ቀንዲ ተጻባእተይ ንሳቶም ኰይኖም ኣለዉ። ናተይ ኮራሲ እንተ ዝኸውን፡ ብዘይንሕስያ መባረርኩዎም ነይረ። “እንታይ እየ ከዕልላ” እናበልኩ

እሻቐል ኣለኹ። “እንታይ ክሰምዓኩም?”“ንዓይ ጻዕዳ ካፑቺኖ፡ ኣይትምልእያ

ኢኺ፡ ንዕኡ ድማ ስምዕዮ” ኣዒንታ ጸጸኒሓ ናብ’ቶም ኣወዳት ምልኣኻ ባህ ኣይበለንን። ‘ሕንከታ ናበይ ኣበለ?’ “ንዓይ ሻሂ ሃብኒ” ኣብ ልሳነይ ጸኒሑኒ

እምበር ብሓቂ ደልየ ዝኣዘዝኩዎ ኣይመስለንን። እዞም ክልተ ኣወዳት፡ ሰሰሪቖም ንሎሊ ምጥማት ኣይገደፉን። ሎሊ ማግኔት ኣዒንቲ እያ። ተመስገን! ሕጂስ ተንሲኦም! ካልኦት

ክሳብ ዝመጽኡ ዕድል እረክብ እኸውን። “ስራሕ እሞ ከመይ ኣሎ?” ካብ

ሓሳባት ኣበራቢራትኒ። ክልተ ወገን ናይ ምዕጉርታ ምስ ክምስታኣ ጠንቢቘን፡ ጭልቅዕ ኣካላታ እናርኣያ ልበይ ሸቕ ኣቢለናኒ። ኣብ ሓቒቕ ማይ ዝጠሓላ ዝመስላ ብሌን ኣዒንታ፡ በቲ ካብ ማእከለን እናብረቕረቐ ዝውርወር ንጣብ ምሩጽ ኣልማዝ ዝመስል ጩራ እናሰደዳ ምርግጋእ ከሊአናኒ። ምስለይ ኣብ’ቲ ጽሩይ ኣዒንታ እናረኣኹ፡ “ኣብ ልባ እንተ ዝዀነለይ” እናበልኩ ክሳብ ዝሓምም እምነ ኣለኹ። ኣስናና መስ ኣቢላ ምስ ሰወረቶም፡ ኣብ ርእሲ ብርሃን ናይ’ቲ ካፈ ብርሃን ደጒሖም። ድሮ ስብእነተይ ካብ ውሽጠይ ይኵዖ

ኣሎ። እቶም ንዓኣ ክበቕዑለይ ኢለ ዘዋህለልኩዎም ሓሳባት ደኣ ናበይ ፋሕ በሉ!

“እዚ ገዛ ክፍተወካ ምሽ?” “እወ ጽቡቕ ገዛ እዩ፡ ኣመና ፈትየዮ

ኣለኹ” ነዚ እንዳ ተጻባእቲ ፍቕሪ ኰይኑ ዝስመዓኒ ዘሎ ገዛ ብትእዛዝ ፍቕሪ ፈትየዮ ኣለኹ። ስትውትው ደረታ ጽሩይ ሰሌዳ

ፍቕሪ ኰይኑ ይረኣየኒ ኣሎ። ዕላል ጀሚራትለይ ኣላ። ኣመት ዕላላ ግርም ገይረ ኣየጥለልኩዎን። ቀንዲ ጽባቐኣ ምስኣ ብዘይምንባሩ እናሻዕ ካብ ምግራም ኣይተገላገልኩን። ሕንኽንኻ! ልቢ ዝምንዝዕ ሕንከታ! ግናስ ንሳ ዝጎደለ እንተ ጎደላ’ንዶ

ዘይትኸፍእ ኰይና። ሕጂ ቍሩብ ተረጋጊአ ስለ ዘለኹ፡ እቲ ዝብላ ክብላ ተዳልየ ኣለኹ። ናይ ሓይለቦይ ሓቦ ወሲኸ ገለ ክዛረብ

ኣለኒ። ካብ’ቶም ብትንትን ኢሎሙኒ ዘለዉ ንደቂ-ኣንስትዮ ክምስጡ ይኽእሉ እዮም ዝበልኩዎም ሓሳባት ገለ ክኣኻኽብ እምበር. . .። “ናእዳ ንደቂ ኣንስትዮ መድሃኒተን እዩ። ግናስ ሕቖን ከብድን ዝዀነ ናእዳ እንተ ዀይኑ ዕንወት እዩ’ሞ ተጠንቀቕ” ዝብል ምኽሪ ፈላጣት ካብ’ቲ ሎምቅነ ዝፈታተሽኩዎ መጻሕፍቲ ዝረኸብኩዎ እዩ። ኣብ ዘይብላ ንኸይንእዳ ስኽፍታ የብለይን። ንሳ ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዝተዓደለት እያ። ንዓኣ ዝበቅዕ ቃላት እንተ ተሪኹቡ’ኳ ንጋዳ! ግናስ እፈርሕ ከኣ ኣለኹ። ንዓኣ ዝበቅዕ ኣዘራርባን ዘረባን እንተ ዘይክኢለዮ ከይትንዕቀኒ። ኣዒንታ ኣባይ ተተኺለን ከናሽዋኒ እውን ይረኣየኒ ኣሎ። “ፈትን ፈትን ፈትን . . .” ቀልበይ

እዩ ዝትኹትዀኒ ዘሎ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ማዕቀና ዝዀነ ናእዳ። ደቂ-ኣንስትዮ ዋላ’ኳ ሓልዮትን ናእዳን ዝፈትዋ እንተ ዀና፡ ናይ ሰብኣይ መንፈስን ስምዒትን ዘለዎ ወዲ-ተባዕታይ ከም ዘጸልለን ከኣ ኣንቢበ እየ። ነቲ ድሮ ዘጥፈኣትለይ ናይ ስብእነት ስምዒት ክመልስ ኣፍልበይ ንቕድሚት ውጥጥ ኣቢለ ኵርዕርዕ ኢለ ኣለኹ። “ኣዕልልባ ንበይነይ እናለፍለፍኩስ

ትም ኢልካ ትሰምዕ!” ክምስታ ኣሰንያ እንዶ ጠሚታትኒ። ኣዒንታ ንስብእነተይ ብትንትን ኣቢለናኦ። ከም ብሓድሽ ሰብኣይ ክኸውን እጅምር ኣለኹ። “ንስኺ ተዕልሊ እንተ ሃለኺ ደኣ፡ ኣነ

ጥራይ ዘይኰንኩስ ህዝቢ ዓለም ኩሉ ጸጥ ክብል እዩ እምበር” ተሓሊበ ዝረኸብክወን ቃላት ብጻዕሪ ኣውጺአየን። “እዚ ኩሉ ንዓይ!” ከንፈራ ሰንዲያ

ሰሓቕ ትድርጉሖ ኣላ። ዘለጎ ክሳዳ ተቐንጢቡ ክብቆጽ ዝደለየ ይመስል ኣሎ። “ጸሓይ ክትደምቕ ከላ እኮ ከዋኽብቲን

ወርሕን ኣሰሮም እዩ ዝጠፍእ፡ ንስኺ ክምስ ክትብሊ ከለኺ ድማ ዋላ ጸሓይ እውን ኣሰራ የለን!” “ዋ ኣታ ክንደይ ትዛረብ ኢኻ። ድምጺ

ሰሓቓ ኣብ ምሉእ ገዛ ኣቃሊሑ ኣዒንቲ ሰባት ምስ ወረራ ብሕንከት ቀባሕባሕ እብል ኣለኹ። “ናይ’ዛ ዓለምና ጸሓይ ሓንቲ ጥራይ ይመስለኒ ነይሩ። ምሳኺ ምስ ተላለኹ ግን ክልተ ምዃነን ፈሊጠ” ኣዒንቲ ሰባት ግፍፍ ኢሉ ካብኣ ክሳብ ዝእለ ተጸብየ ናእዳ አውሕዞ ኣለኹ። “ኣነ ማለት ድዩ ካልአይቲ ጸሓይ!” “ቀዳመይቲ እምበር! እንታይ ካልአይቲ

ደኣ!”

ኣቤት ኣብ ወጅሃ ዘሎ ናይ ባህታ ስምዒት!!! ዘንጊዐዮ ዝጸናሕኩ ሰብኣይ ናይ ምምሳል ተዋስኦ ዘኪረ ከኣ ኵርዕርዕ! ሃንደበት ቀልባ ናብ ካልእ ሰዲዳ

ረሲዓትኒ ኣላ። ንዓኣ ሰማይ ሰቒለ ኣብ እግራ ዝተረፍኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። “ምስ ሓያሎ ደቂ-ኣንስትዮ ሻሂ ሰትየን ኣዕሊለን እየ’ሞ፡ ጠላሕ ትብለኒ ጎኒፋትኒ ኣይትፈልጥን!” በቲ ሓደ ክንእዳ ከለኹ፡ በቲ ሓደ ድማ ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዝደልያኒ ንምንጋራ ዝተጠቐምኩሉ ሜላ እዩ። “እዚኣስ ንዓይ ክትንእድ ደሊኻ

እምበር፡ ካብ ሰበይ ንላዕሊ ከም ዘይኰንኩስ እፈልጥ እየ” ብባህታ እናሕፈፈየት እያ እትዛረብ። ዕላልና ኣብ ፍቕርን ከባቢኡን ጥራይ

ክሕዛእ እዩ ድልየተይ። በቃ! ሕውስዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ፍቕሪ። ምስ ሎሊ ፍቕሪ እምበር ካልእ ክዕለል መልክዑ ኣይኰነን። እዚ እዋን ደቓይቕ ኮፍ ዝበልኩ

ኰይኑ ከይተሰማዓኒ እምበር ዘብዘብ ይብል ኣሎ! ልዕልነተይ ምእንቲ ከርእያ ቀዲመ “ቻው” ክብላ ምሓሸ ነይሩ’ሞ፡ ግናስ ቀፊዳ ሒዛትኒ ኣላ። ንሰብ ኣብ ዝስሕብ ማግኔት ግዲ እያ ኮፍ ኣቢላትኒ። ንሳ ቻው እንተ ኢላትኒ ግን እንታይ ከም ዝኸውን እንድዒ! “ሉለይ” ሕጂ ቁሩብ ተቢዐ ኣለኹ።

ኣዒንታ ጩራ ኣሕሊፎም ናይ ልቢ ዝርእዩ እዮም ዝመስሉ። “እ. . . ክዛረበኪ ደልየ ነይረ” “ካዕካዕካዕ. . . ኣፋ ጋህ፡ ኣስናና ጫሕ፡

መዓጉርታ ጥንቡቕ. . .” ልበይ ናብኣ ዕዝር። “እሞ ተዛረብ እምበር ብኣፍካ ዝሓዘካ ሰብ ኣሎ ድዩ?” ሽውሃተይ ዕጽው! ሞባይላ ጻውዒት ተስምዕ ኣላ። ጸጉሪ

ርእሳ ንየማነ ጸጋም ሰይሰይ ኣቢላ ኣዒንታ ነጻ ብምግባር ቍጽሪ ርእያ። “ኦፋይ እዚኸ እንታይ እየ ገይረዮ!” ወትሩ ዝርብሻ ወዲ ግዲ ደዊሉላ ኰይኑስ ጸርጸር ትብል ኣላ። ጸርጸራ ከኣ ክፍተወካ! ውቍብን ሕንቁቕን ቈልዓ መሲላ። ደዋሊ መን ምዃኑ ከይፈለጥኩ ቀርሒነ። ሞባይላ ሒዛ ተንሲኣ። ብድድ ኣባህላኣ በትሪ ኣልዒላ ክትደጓደግ ዘንቀደት እምበር ሞባይል ንኽትቅበል ኣይትመስልን። ኣዒንተይን ኣእዛነይን ደድሕሪኣ ካባይ

ተፈንቲተን። ፍረ ነገር ዘረባኣ ክሰምዖ ኣይክእልን ዘለኹ። ግን ቅንኢ ይለልወኒ ኣሎ። ዝሓረቐት መሲሉኒ ነይሩ’ሞ፡ ካብ ገጻ ዘንብቦ ዘለኹ ስምዒት ግን ትሕትናን ክምስታን ዝተላበሰ እዩ። ዝርርባ ወዲኣ ተመሊሳ። “ጉድዶ

ረኺበ. . .” ሞባይላ ብሓውሲ ምድርባይ ኣብ ጣውላ ኣቐሚጣ እያ ኮፍ ኢላ። ኣጣምታኣ “ከመይ ዝበለ ጉድ ደኣ ረኺብኪ?” ኢልካ ሕተተኒ ዝብል እዩ ዝመስል። “እንታይ እየ’ሞ ክብላ?” ትም ምባል ይሕሸኒ። ሞባይላ ሕጂ እውን ተዳህያ። ወዲ

ተባዕታይ ጥራይ ከይከውን ኢለ እናሓሰብኩ ልበይ ተንበድብድ ኣላ። “ኣንታ እዞም ኣወዳት ዝብልዎም

ከመይ ዝበሉ ፍጥረት እዮም!” ካብ ዝፈራህኩዎ ኣይወጻእኩን። “ኣነኸ?”ዶ ክብላ። “ሄለው ሕጂ ምስ ሰብ እየ ዘለኹ።

ኣብ ዝጠዓመኒዶ ክድውለልካ” ትሕትና ዝተላበሰ ምቕሉል ኣዘራርባ እዩ። ቃላታን ስምዒታን ክልተ ጫፋት! “ዝረኣየካ ወዲዶ ፈቲየኪ ዓቢደልኪ

እናበለ ሞኽ የብለካ እዩ ወደይ! “ኣይትኾርዪ’ባ! ጸሓይ ወጋሕታ ኩላትና ስለ እንሃርፋስ ግድን እዩ ከምኡ ክገጥመኪ” ሰማይ ከይትስቀለኒ ግን እፈርሃ ኣለኹ። ብሳላኣ መቸም ንጸሓይ ዓሰርተ ግዜ እየ ጸዊዐያ። “እውይ ንስኻስ ክትዛረብ - ስነ-ጥበበኛ

ኢኻ መስለኒ” “ንስኺ ንባዕልኺ ጥበብ እንከለኺ

ደኣ፡ ጥበብ ምንዳይ ንምንታይ የድልየኒ” ምኽምስማሳ ክሳብ ዓንቀራ መሊኡ። ሓይሊ ፍቕሪ እዩ ብድፍኢት ኣዛሪቡኒ። “ክሳብ ዝሓምም እየ ዘፍቅረኪ፡

ወላ’ኳ ክንዲ ጸጸር እትኸውን ሕማቕ ዘይምነየልኪ እንተ ዀንኩ፡ ኣብ ገሃነም እሳት ዄንኪ እንተ ትጽውዕኒ እውን ባህ እናበለኒ ምመጻእኩኺ”ዶ ክብላ?ኦኦ. . . . . ፈሪሀያ ከኣ!ሕጂ ኸኣ ዝሕልሕል ኢላትኒ ኣላ።

ሸቐልቀል ከኣ ትብል። “ባዕለይ ነገር ከም ዘበላሽኹ ይስወጠኒ ኣሎ። ንሳ ንጸሓይ ምዕባያ፡ ኣነ ግን ሰብ ዄንና በቃ!። ሕጂ ደኣ “አፍቅረኪ እየ”

እንተበልኩዋስ፡ ከስሕቓ ድዩ ከሕርቓ! “ኣዕልልባ እንታይ ደኣ ትም ኢልካ?

ዘረባ ጀሚርካለይ ነይርካ ምሽ - መን ደኣ ኣጥፊኡካ!” ምስናይ ናይ ባጫ ዝመስል ስሓቕ እዩ። እናበሳጨወት እምበር ትቝስቍሰኒ ኣላ! እንታይ እየ ክብላ? ክሳብ እቲ ናይ

ውሽጠይ ዘውጽኦ፡ ከም ዘድበየ ድሙ ትጽበየኒ ኣላ። “ሑሕ” ድያ ክትብለኒ ወይስ ብታሕጓስ ክትሰራሰር እዝጊ ዋንኣ። ቀበዝበዛ ግን ባህ እናበለኒ ስኢነዮ። “ስተዪ’ባ” ዝኣዘዘታ ካፑቺኖ ርብዒ

ኣየጉደለትላን። “እንድዒ ኣይጠዓመንን፡ ከመይ ገይሮም

እዮም ሰሪሖሞ በጃኻ!” ጽውግታኣ ኣብ ገጻ ተሰጥሐ። “እሞ ደስ ዝበለኪ ካልእ ዘይትእዝዚ?”

ጽውግታኣ ገና ካብ ወጅሃ ኣይተኣልየን ዘሎ። ኣብ መንጎና ስቕታ ሰፊኑ ኣሎ። ብኡ መጠን ተስፋይ ርኹምሽ ኢለ - ንነብሰይ ምእማን ስኢነያ ኣለኹ። ኩሉ ዝበሃል ተወዲኡኒ ብምንታይ ከበራብራ ከም ዝኽእል ሓሳባት ሃሰው እብል ኣለኹ። ኣእምሮኣ ናብ ገለ ተሸሪቡ ኣሎ።

ዓረም ከኣ ኰይናትኒ። ስምዒታን ዕላላን እናረኣኹዎ ይመውት ኣሎ። “ሎሊ ተናፋቒት! ደንጒየኪዶ?”

ብሃንደበት ምዕሩግን ጎበዝን ወዲ ንሰላምታ ኢዱ ሰዲዱላ በሉ! ኣብ ደረቱ ክንዲ መሰጣሕ ዝኸውን ፎርማ ዘለዎ ረጒድ ካቴና ወርቂ ዘንጠልጠለ እዩ። ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ እጥምቶ ኣለኹ። ለቢሱዎ ዘሎ ዘመናዊ ክዳውንቲ ዋጋኡ ካብ ምግማት፡ ገንዘብ እዩ ተኸዲኑ ዘሎ እንተ በልክኹም ይሓይሽ። “ኣብ’ዚ ኣቐሚጥካኒስ ህልም ትብል. .

.” ኣቤት ቀበጥበጥ ትብለሉ ዘላ! “ሶሪ ጽብቕተይ፡ ትራፊክ እንድዩ

ኰይኑኒ. . .”“የቐንየለይ በል ወደይ - ንስኻስ

ዕላሉ ኢኻ፡ ቻው በል - ኣይንጣፋእ” ከይዳ እምበር! ርእሰ-እምነተይ ናብ ዜሮ ወሪዱ።

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

Page 7: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 7መበል 27 ዓመት ቁ.161

ንትምህርቲ፡ ምህዞ፡ ርኽበትን ሓፈሻዊ ህይወትን ዝገልጽ ጥቕሲ

ጥቕሲእ ዚ ሰሙን

“ክልሰ-ሓሳብ ይመርሕ፡ ፈተነ ኸኣ ይውስን።”

- ጥንታዊ ብሁል ስነ-ፍልጠተኛታት

እዚ ጸወታ ወይ ግድል “ስትሪምኮ” ይብሃል። ንሰዶኮ ዝመስል ጸወታ እዩ። እዚ ብግራባርቻክ ዝተባህሉ ስድራ ዝተማህዘ ኰይኑ፡ ኣብ ክልሰ-ሓሳባት ትርብዒት - ናይ ላቲን ፈላጥ ስነ-ቍጽሪ ሊዮናርዶ ኢለር (18 ክፍለ-ዘመን) ዝተሞርኰሰ እዩ።

ኣገባብ ኣጸዋውታኡ፥ ኣብዛ ትርእዩዋ ሰደቓ፡ 7ተ ብ7ተ ዝተሰርዓ ዓንኬላት ኣለዋ። እዘን ዓንኬላ ቍጽሪታት እየን ዝሕዛ። ካብ 1 ክሳብ 7 ድማ ይምልኣ። ካብ 1 ክሳብ 7 ዘለዉ ቍጽሪታት ንትኹልን ንጋድምን ልክዕ ከም ሰዱኮ ክድገሙ የብሎምን። ኣብቶም ብመስመር ተራኺቦም ዘለዉ ዓንኬላት’ውን ክድገም የብሉን።

(መልሲ፡ ካብ 1 ክሳብ 7 ዘለው ቍጽሪታት ንትኹል፡ ንጋድምን ብሕንጻጽ ተታሒዞምን ኣብ ዝርከቡ ዓንኬላት ክድገሙ የብሎምን።)

ግድል

ንብልሒ ተማሃሮ ዝሕግዝ ኣዘናጋዒ ግድላት

ስ ት ሪ ም ኮ

ኣብ ሓደ ፍርቂ ዘመን ዘይሓልፍ ግዜ ወዲ-ሰብ ሓደ ኣዝዩ መሳጢን ኣገዳሲን ዓውደ-ፍልጠት ረኺቡን ኣማዕቢሉን። እዚ ዓውደ-ፍልጠት ስነ-ኒዩክለዮን ወይ ስነ-ፍልጠት ኒዩክለየር’ዩ። ስነ-ኒዩክለዮን፡ ንትሕዝቶን ምቅይያርን ናይ ኣቶማዊ ኒክሊያ ዘጽንዕ ዓውዲ’ዩ። እቲ መሰረታዊ ዝደቐቐ ክፋል ናይ ማተር ምዃኑ ዝንገረሉ ዝነበረ ኣቶም፡ ሰለስተ ዝደቐቑ ክፋላት ከም ዘሎዎ ተፈልጠ። ጸኒሑ ኸኣ ኪንዮኡ ክምቀል ከም ዝኽእል ተፈልጠ። እቲ መሰረታዊ መረዳእታ ኣቶም፡ ብኒዩትሮን ፕሮቶንን ኤለክትሮንን ይቐውም። እቲ ንፕሮቶንን ኒዩትሮንን ዝሓቍፍ ኒዩክለስ እዩ። ዓውደ-ፍልጠት ስነ-ኒዩክለዮን ተመራሚሩ ዘጽንዖ ነቲ ኣብ ኒዩክልየስ ዝርከብ ተኣምራታዊ ኣመና ገዚፍ ጸዓት’ዩ። ወዲስ-ሰብ ነቲ ዘሎዎ ተኣምራታዊ ዝዀነ ብልሒ ተጠቒሙ ነዚ ተኣምራታዊ ዝዀነ ኣመና ገዚፍ ጸዓት ንእተፈላለየ መዓላ ኣብ ጥቕሙ ከውዕሎ ከኣለ። መጀመርታ ኣብ ኣቶማዊ ቦምብ ኣብ ጥቕሚ ከውዕሎ እንከሎ፡ ጸኒሑ ኸኣ ከም ምንጪ ጸዓት ተጠቒሙሉ። እዚ ጸዓት ንምንጪ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ መንኰርኰራት ህዋን ተነቈትቲ መራኽብን ከገልግል ክኢሉ።

እዚ ስነ-ፍልጠት፡ ስነ-ኒዩክለዮን፡ ብዘይካኡ ካልእ ኣገዳሲ ጥቕሚ ኣሎዎ፣ ምፍራይ ሓደስቲ ባእታታት። ገለ ካብዞም ባእታታት ኣብ ኢንዱስትሪ፡ ሕርሻ፡ መድሃኒትን መጽናዕቲታትን የገልግል። ነዚ ንምርዳእ እምበኣር ንኣምር “ሬድዮኣክቲቪቲ” ምፍላጥ የድሊ። ሬድዮኣክቲቪቲ፡ ፈነወ ጸርጊ ወይ ጸርገ ንጡፍ፡ ንጡፋት ዝብሃሉ ባእታታት ብዘይ ደረት መልክዖም ክቕይሩ እንከለዉ ዘርኢ

መስርሕ እዩ። እዚ መስርሕ ምስግጋር ናይ ሓደ እተወሰነ ሬድዮኣክቲቭ ሳብስታንስ፡ ኣብ እተወሰነ ቅልጣፈ ብግዳማዊ ኵነታት ኣይጽሎን። እቶም ዘይቀዋሚ ኒዩክለያ ዘለዎ ባእታታት ኣብ ቀጻሊ ለውጢ ዝርከቡ ባእታታት ከኣ ‘ሬድዮኣክቲቭ’ ይብሃሉ። እዞም ባእታታት እዚኦም ሓደገኛ ጸርጊ ዝጸርጉ እዮም።

ሬድዮኣክቲቪቲ ብ1895 ብፈረንሳዊ ስነ-ፍልጠተኛ ሄንሪ ባክኲረል’ዩ ተረኺቡ። ሬድዮኣክቲቭ ባእታታት ብተፈጥሮን ሰብ-ሰርሖን ኣገባብ ክርከቡ ይኽእሉ። ሄንሪ ባክኲረል ዩራንየም ዝርከበሉ ሓመድ እናጽንዐ እንከሎ’ዩ ነቲ ብተፈጥሮ ዝርከብ ጸርጊ ሬድዮኣክቲቭ ዘለለዮ። እንዳ ኲሪ፡ ፒረ ማርያን፡ ከኣ ንመስርሕ ሬድዮኣክቲቪቲ ብ1898 ኣጽኒዖሞ። ነዚ መጽናዕቲ’ዚ እናኣካየዱ ኸኣ ንራድየምን ፖሎኒዩምን ረኺቦሞም። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ድማ ሬድዮኣክቲቪቲ፡ ብእተፈላለየ ጸርጊ ዝቘመን፡ እቲ ጸርጊ ብምልላይ ኣየናይ ምዃኑ ክፍለ ከም ዝኽእል ኣጽኒዖም።

ሬድዮኣክቲቭ ዝብሃሉ ባእታታት ሓያል ጨረርታ ዝጸርጉ ኰይኖም ንህይወታውያን ክቐትሉ ይኽእሉ፣ ግን ከኣ ዓቢ ጥቕሚ ኣሎዎም። ኣልፋ፡ ቤታን ጋማን ተባሂሎም ድማ ኣብ ሰለስተ ይኽፈሉ። መጀመርታ ምስ ተረኽቡ እንታይ ምዃኖም ዝፈልጥ ኣይነበረን። ኣብኡ እንከለዉ ኣልፋ፡ ቤታን ጋማን ኢሎም ሰምዮሞም። እዞም ጨረርታታት ካብ ሬድዮኣክቲቭ ጸሪጎም ብሓያል ፍጥነት ይጓዓዙ። ክጓዓዙ እንከለዉ ብኽልተ መልክዕ ወይ ኣገባብ ይጓዓዙ። ብርሃን ማንታ ባህርያት ከም ዘለዎ ይፍለጥ፣ ንጥረኣዊ ባህሪን ማዕበላዊ ባህሪን። እዞም

ኬምስትሪ ጸጋ ኒዩኵለራዊ ጸዓትን

ምስ ኬምስትሪ ዝተሓሓዙ ትምህርታዊ ትሕዝቶ

ሰለስተ ጸርጊታት ሬድዮኣክቲቪቲ ኸኣ ነዚ ማንታ ባህሪ ብርሃን የካትቱ። ፈነወ ጸርጊታት ሬድዮኣክቲቪቲ ካብቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ብርዝነት፡ ኤለክትሪያዊ ቻርጅ፡ ናይ ምስንጣቕ ሓይሊን ኣዮናት ናይ ምግባር ሓይሊን ይፈላለ። (ኣዮናት ናይ ምግርባር ሓይሊ ወይ ኣዮናይዝ ማለት፡ ኤለክትሮናት ብምጕዳል ወይ ብምውሳኽ ዝቐውም ኤለክትሪያዊ ምልኣት ዝሓዘ ንጥረ ምዃን ማለት’ዩ።)

- ኣልፋ (α)፥

ንጥረታት ኣልፋ ኣዝዮም ቅልጡፋት፡ እወታዊ ቻርጅ ዘሎዎም ናይ ሀሊዩም ኒዩክለይ እዮም። ኣቶማዊ ክብደቶም 4፡ ኣቶማዊ ቍጽሮም ድማ 2 ኰይኑ ብ‘

2He4’ ይምልከቱ። ቅልጣፈኦም ካብ

15000 ክሳብ 30000 ኪሎሜትሮ ኣብ ካልኢት’ዩ። ካብ ክብደት ንጥረ ፕሮቶን ብኣርባዕተ ዕጽፊ ይረዝኑ። ካብ ቤታን ጋማን’ውን ዝኸበዱ እዮም። እንተዀነ፡ ናይ ምስንጣቕ ዓቕሞም ግን ካብ ክልተኦም ዝደኸሙ እዮም። ነዚኦም ንምክልኻል ብሓደ ረቂቕ ኣሉምኒየም ወይ ወረቐት ክትጥቀም ይከኣል።

- ቤታ (β)፥

ንጥረታት ቤታ ምስ ቅልጣፈ ብርሃን ዝጸጋጋዕ ቅልጣፈ ዘሎዎም ኤለክትሮናት እዮም፣ ኣብ ካልኢት 279000 ኪሎሜትሮ ይጓዓዙ። ኣሉታዊ ቻርጅ ዘሎዎም ኰይኖም፡ በቲ ኣዝዩ ንኡስ ርዝነቶም፡ ኣቶማዊ ክብደቶም ዳርጋ ባዶ እዩ። ብ‘

1e0’ ድማ ይምልከቱ። ንጥረታት

ቤታ ብርዝነቶም ካብ ኣልፋ ኣዝዮም ኣዝዮም ይፈዅሱ፣ ብሰሪ’ቲ ኣዝዮም ሓነንቲ ምዃኖም ግን ናይ ምስንጣቕ

ሓደገኛነት ሬድዮኣክቲቪቲን

ሓይሎም ሚእቲ ዕጽፊ ናይ ብዓል ኣልፋ እዩ። ንምክልኻሎም ድማ ሓደ ነጸላ ኣሉሚንየም ክንጥቀም ይከኣል።

- ጋማ ( α )፥

ንጥረታት ጋማ ድማ ሓያል ጸዓት ዘሎዎም ጩራታት ኤክስ (ኤክስረይ) ኰይኖም፡ ማዕረ ፍጠነት ብርሃን ዝሓኑ እዮም። ዝዀነ ኤለክትሪያዊ ቻርጅ ዘይብሎም ብምዃኖም ድማ ብኤለክትሪያዊ ኰነ ማግኔታዊ ክሊ

ኣይተሓዙን። ካብ ኵሎም ጸርጊታት ሬድዯክቲቪቲ እቶም ዝሓየለ ናይ ምስንጣቕ ዓቕሚ ዘሎዎም እዮም። ኣርባዕተ ኢንች (10 ሰ.ሜ.) ዝሰንጣቒኡ ናይ ሊድ ነጸላ ክስንጥቕ ዘኽእል ሓይሊ ድማ ኣሎዎ። ካብ ጨረርታታት ጋማ ክትክወል ቀሊል ከም ዘይኰነ ክንርዳእ ኣየጸግምን። ነዚ ጨረርታት ዝከላኸልልና ዘሎ ቀጸላ ኦዞን ምስቲ እናረቐቐ ዝኸዶ ዘሎ ዓበይቲ ዓለማዊ ተበግሶታት ክውሰድ እምበኣር ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን።

ኣልፋን ቤታን ኤለክትሪያዊ ቻርጅ ዘሎዎም እዮም። ኣብ ወሃዮ ዝዀነ ህይወታዊ እንተ በጺሖም ክቐትሉዎ ወይ ከዕንዉዎ ይኽእሉ። ልዑል ዓቐን ናይዚ ጨረርታ ልክዕ ከም ጓህሪ ኰይኑ ንብዙሓት ወሃዮታት ክቐትል ይኽእል።

ጸርጊ ኣልፋ ግን ብቐሊሉ ክንከላኸሎ ዝከኣል ኰይኑ ከም ሓንቲ ፊልዮ ወረቐት ዝምርቃቑ መከላኸሊ ዝኣኽሎ እዩ። ቤታን ጋማን ግን ኣካልና ሰንጢቖም ክኣትዉ ይኽእሉ። ኣብ ህዋሳትና ዝርከቡ ወሃዮታት ድማ የዕንዉ። ውሑድ ዓቐን ጨረርታ ሽሕ’ኳ ውሑዳት ወሃዮታት ይቐትል እንተዀነ ጐዳኢ ኣይኰነን። ሓደገኛነቱ ኣብ ከሚካላዊ ትሕዝቶ ወሃዮታት ለውጢ ክገብር

ጸርጊታት ሬድዮኣክቲቪቲ እንታይ’ዮም ዝገብሩና?ዝኽእል ብርተዐ እንተ ሃሊዎ እዩ።

ንሓደ ወሃዮ ከመይ ይሰርሕ ዝቈጻጸሩ “ኮምፕለክስ ሜለኵላት” DNAን RNAን እዮም። ሓደገኛ ዓቐን ዘለዎ ጨረርታ ሬድዮኣክቲቭ ኣብዚኦም ሜለኵላት’ዩ ለውጢ ዝገብር። ከም ውጽኢቱ እቶም ወሃዮታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይዀኑ። ርእሶም ዝኸኣሉ ካልኦት ወሃዮታት ኰይኖም ይዓብዩን ይምቀሉን። በዚ ድማ እኩብ ናይ ካንሰር (መንሽሮ) ወሃዮታት ይፈጥሩ። ኣብ ወሃዮታት ዘርኢ ስርዓተ-መፍረ እንተ በጺሖም ሕማቕ ኣቃውማ ዘለዎም፤ መሓውር ዘይብሎም ወይ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ዕሸላት ክውለዱ ይኽእሉ።

ሬድዮኣክቲቭ ባእታታት ካብ ጩራ ጸሓይ ከም ዝርከቡ እተፈልጠ እዩ። ግና ኣብ ጸሓይ ጥራይ ኣይኰኑን ዝርከቡ። ኣብ መሬት’ውን ብዙሕ ኣኻውሕ ኣብ ዘሎዎ ቦታ ይርከቡ እዮም። ኣቐዲምና ዩራንየም ኣብ ዝርከበሉ ሓመድ (ፒችብለንድ) በበይኑ ጸርጊ ብሰብ ሓዳር ተመራመርቲ ፒረን ማርያን ኲሪ ከም እተለለየ ጠቒስና ጸኒሕና። እዞም ኣብ መሬት ዝርከቡ ኣኻውሕ ኣብ ገለ ከሚካላዊ ውህደቶም “ራዶን” ዝብሃል ሬድዮኣክቲቭ ጋዝ ከም ውጽኢት ከሚካላዊ ውህደቶም የመንጭዉ። እዚ ጋዝ ናብ ህንጻታት ክሰሉዅ ይኽእል። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ከስተንፍሱ እንከለዉ ክስሕቡዎ ይኽእሉ። እዚ ጽልዋ ትሕተ-ባይታ ጨረርታ ይብሃል።

እዞም ኣብ መሬት ዝርከቡ ሬድዮኣክቲቭ ጥረ-ነገራት - ካብ ማእከላይ ገምጋም ንላዕሊ - ኣብ ግራናይት ኣኻውሕ ይርከቡ። ኣብ ግራናይት ኣኻውሕ ዘሎዎ ቦታ ዝነብሩ ንገዛውቶም ራዶን ከይህሉዎ ቀጻሊ መርመራ ከካይድሉ ኣለዎም። ተመራመርቲ ስነ-

ጸርጊታት ሬድዮኣክቲቪቲ ኣበይ’ዩ ዝርከብህይወት ትሕተ-ባይታዊ ጨረርታታት ንጅን ወሃዮታት ስርዓተ-መፍረ ለውጢ ወይ ምቅይያራት ከም ዝገብረሉ ይኣምኑ። እዚ ለውጢ’ዚ ጠንቂ ምፍልላይ ህይወታውያንን ንኻልእ ፍልቀት ባይታ ዝኸፍትን ምዃኑ ይገልጹ።

... ይቕጽል።

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ኣብ ዝመጽእ ሕታማት እዚ ዓምዲ

- ንሰብ ሰርሖ ሬስዮኣክቲቭ ንጥረታት፣

- ንእተፈላለዩ ጨረርታታት ብምንታይ ክንፈልዮም ከም እንኽእል፣

- ዝምድና ርዝነትን ጸዓትን፣

- ኒዩክለራዊ ጸዓት ኣዕናዊ ኣጽዋር ድዩ ኣገልጋሊ ወዲ-ሰብ?

- ንባእታ ራድየምን፡ ንታሪኽ ተመራመርቲ እዚ ዓውዲን ካልኦት ኣርእስቲታትን ዝምልከት ከነልዕል ኢና።

ኵርናዕተማሃሮ

ሱራፌል ተስፋብሩኽ

ኵርናዕ ተመሃሮ

Page 8: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 8መበል 27 ዓመት ቁ.161

ኣብ ፕሪመር ሊግ፡ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዓቢ ግምት ዝተዋህቦ ግጥም ማንቸስተር ሲቲ ምስ ቸልሲ ዘካየደኦ ጸወታ እዩ። ኣብታ ግጥም ቸልሲ ሓንሳብ እኳ ናብ ልዳት ማንቸስተር ሲቲ ዘካየደቶ ፈተነ ኣይነበረን። ብሓፈሻ ቸልሲ ኣብታ ጸወታ ኣሉታዊ ኣቀራርባ እያ ኣርእያ። ኣብ መደበር ቴለቭዥን ስካይ ዝትንትን

ጂሚ ረድናፕ፡ ንኣሉታዊ ኣቀራርባ ጸወታ ቸልሲ “ ጸረ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ” ከምኡ ድማ “ጭካነ ኣብ ልዕሊ ኵዕሶ እግሪ” ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣስዒቡ “ተጻወትቲ ቸልሲ ፈጺሞም ንቕድሚት ክኸዱ ይደልዩ ኣይነበሩን። ቅድሚ ግጥም እያ ቸልሲ ንማን.ሲቲ ምሉእ ሰለስተ ነጥቢ ሂባታ” ኢሉ። እታ ግጥም፡ ኣከፋፋሊ ማንቸስተር ሲቲ

ኢልካይ ጉንዶጋን ካብ ነዊሕ ናብ ደቪድ ሲልቫ ብዘሕለፋ ኩዕሶ፡ ደቪድ ሲልቫ ድማ ብመስቀላዊ ኣገባብ ታሕቲ ታሕቲ ንዝቖረጻ ኵዕሶ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብ ሞናኮ ዝተሰጋገረ በርናንዶ ሲልቫ ብዘመዝገባ እንኮ ሸቶ እያ ተዛዚማ። ኣብዛ ፍጻመ እምበአር እዩ መስመር ምክልኻል ቸልሲ ንማዕበላዊ መጥቃዕቲ ማን.ሲቲ ኢዱ ሂቡ። ናይ ጸጋማይ ክንፊ ተኸላኻላይ ማርኮስ ኣሎንሶ - ኣብ እዋን ምክልኻል ክገብሮ ዝግበኦ ዝነበረ ቦታ፡ ኩዕሶን ሰብን ናይ ምቁጽጻር ስራሕ ስለዘየማለአ ድማ ጋንታኡ ሸቶ ተመዝጊብዋ። ኣሎንሶ ቦታን ኵዕሶን ክርኢ ክብል ኣብቲ ቦታ ክመጽእ ንዝኽእል ሰብ ብዘይምቁጽጻሩ እያ እታ ኵዕሶ ተመዝጊባ። እዚ፡ ጸወታ ክዛዘም ገና 15 ደቓይቕ ተሪፍዎ እናለወ እዩ ተፈጺሙ። ተጻወትቲ ቸልሲ በቲ ውጽኢት ዝዓገቡ እንኪመስሉ መጋጥምቶም ንዝገብርዎ ዝነበሩ ምቅብባል ከም ተዓዘብቲ ደው ኢሎም

ተስፋኣለም ገብረዮውሃንስ

እዮም ዝርእይዎም ነይሮም። ምልእቲ ጋንታ ዝተኸተለቶ ቅዲ ኣጸዋውታ ከኣ ካብ ሓንቲ ሻምፕዮን ዝሓለፈ ዓመት ዘበለትን ንቦታ ሻምፕዮንስ ሊግ ከተውሕስ እትቃለስን ጋንታ ዘይትጽበዮ ኮይኑ ንረኽቦ።ንጎሎ ካንተ ድሮ ጸወታ ብዘጋጠሞ

ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ዘይተሰለፈሉ፡ ጓርድዮላ ነቲ እናተኸላኸለ ዘከፋፍል ፈርናንዲኖ ብመጉዳእቲ ከሲርዎ እዩ። ኮንተ ብሜላ ኣሰላልፋ 4- 5 -0 ንተጻወትቱ ከሰልፍ እንከሎ፡ ጓርድዮላ 4 – 3 -3 እዩ ተጻዊቱ።ተንታኒ ጋሪ ነቭል ብግደኡ “ማንቸስተር ሲቲ

ክትጻወት እንከላ ተጻወትቲ ቸልሲ ይዕዘብዋ ጥራይ እዮም ነይሮም። ማኒኪኖ (ሰፈይቲ ክዳን ክዳውንቲ ኣውድዮም ዘርእዩሉ) እዮም ዝመስሉ ነይሮም። ንኽትዕዘቦ ኣዝዩ ዘቐንዙ እሞ ኸኣ ኣብ ፕሪመር ሊግ ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን፡” ብምባል ነቲ ጸወታ ገሊጽዎ። እንተኾነ፡ ኣሰልጣኒ ቸልሲ ኣንቶንዮ ኮንተ

ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣርሰናል ኣቐዲማ ብማን.ሲቲ ብተኸታታሊ 3ብ0 ክትርታዕ ተዓዚቡ፡ ንዘዳለዎ ታክቲክ ኣጸዋውታ ተጻወትቱ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘተግበሩ ብምግላጽ ንዝተጠቕመሉ ቅዲ ኣጸዋውታ ክከላኸለሉ እዩ ተሰሚዑ። ንሱ፡ “ንዝመጸ ነቐፌታ ክትቅበሎ’ዩ ዘለካ። ኣነ ግን፡ በሃም ኣይኮንኩን፡ ኣንጻር ሲቲ ከፊተ ብምጽዋት 3ብ0 ወይ 4ብ0 ክሰዓር ዝደሊ። ብልክዕ እንተደኣ ዘኪረ ኮይነ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣርሰናል ክልተ ግዜ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ተጻዊቶም እዮም። ሽዑ ንኣርሰን ብዙሕ ነቒፍኩሞ። ምኽንያቱ ኣርሰናል ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ጥራይ ሰለስተ ሸቶታት ስለ ዝተመዝገባ። እዞም

ናይ ምጥቃዕ ወኒ ክለብ ቸልሲ

ዝተነቐፈሉ ግጥም

ታክቲካዊ ትንታነ

ተንተንቲ ብዛዕባ ታክቲክ ቅድሚ ምዝራቦም ንዕኡ ዝርዳእ ኣእምሮ ክህልዎም ኣለዎ። ከም ዝመስለኒ እቲ ኣፍልጦ ኣሎ። እንተኾነ፡ ብዓሻ ኣዘራርባ ኣይኮነን ክኸውን ዘለዎ። ኣብ መወዳእታ ተጻወትተይ ንዝቐረብክዎ ናይ ጸወታ ስትራተጂ እዮም ኣተግቢሮም። ነዛ ግጥም ብኸምዚ መንገዲ ኢና ተዳሊናላ። ምስ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ እትጻወተሉ እዋን ኣእምሮኻ ክትጥቀመሉ ኣለካ። እንተዘየለ ነቲ ጸወታ ብዝኸፈአ ውጽኢት ናይ ምዝዛም ሓደጋ’ዩ ዘጋጥመካ፡” ኢሉ። ቸልሲ ብዘይ ኣጥቃዓይ እያ ተሰሊፋ።

ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብቲ ጸወታ ዝኾነ ናይ ምጥቃዕ ተበግሶ ክትወስድ ኣይተራእየትን። ከም ዝፍለጥ እታ ዘይትንብርከኽ ናይ ኣርሰን ቨንገር ኣርሰናል፡ ከምኡ ድማ ኣብ ግዜ ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ዝነበራ ናይ ማን.ዩናይትድ ጋንታታት’ውን እኮ ሕማቕ ይጻወታ ነይረን እየን። ኣብቲ እዋን’ቲ መታን ብቐሊሉ ከይሰዓራ ዝጥቀማሉ ታክቲክ ይቐያይራ ነይረን እየን። ይኹን እምበር፡ ንመጋጥምተን ካብ ምጥቃዕ ፈጺመን ድሕር ይብላ ኣይነበራን። ቸልሲ ብሰንበት ኣብ ሜዳ ወላ ሓንቲ ናይ መጥቃዕቲ ተበግሶ ኣየርኣየትን።ኮንተ ከምኡ ዓይነት ታክቲክ ምምራጹ ከም

ኣሰልጣኒ ዝረኣዮ ነገር ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ቅድሚ ክልተ ቕነ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ባርሰሎና፡ ቸልሲ ብዘይ ፍሉጥ ኣጥቀዓይ እያ ተጻዊታ። እንተኾነ፡ ብእትገብሮ ዝነበረት ናይ መጥቃዕቲ ስጉምቲታት ንባርሰሎና ፈቲናታ እያ። ኮንተ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ኣብ በዅሪ እግሩ ኣብ ፕሪመር ሊግ ኣንጸባራቒ ዓወት እዩ ኣመዝጊቡ። ዋላ’ኳ ተጻወትተይ ዝደለኽዎ ስትራተጂ እዮም ኣተግቢሮም እንተበለ ብኸምዚ ናይ ሰንበት ምንቅስቓስ ኢዱ ክህብ ግን፡ ነቲ ዝሰነዶ ዝና ዝትንክፍ ኮይኑ ምቕራቡ ዘይተርፍ እዩ። ኣብ ፕሪመር ሊግ ከም ቸልሲ ገይራ

ንማንቸስተር ሲቲ ዝደፈረት ክለብ ከም ዘየላ እዩ ሰነዳት እቲ ውድድር ዝገልጽ። ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፐፕ ጓርድዮላ ድሕሪ ጸወታ ሓጎሱ ንምግላጽ ክስእን እዩ ተራእዩ። ምናልባት ንታክቲክ ኮንተ ብዝግባእ ስለዝተረደአ’ሞ ብናይ 1ብ0 ዓወት ሕጉስ ብምዃኑ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጓርድዮላ ነቲ ግጥም ክገልጾ እንከሎ፡ “ኣብ ኩሉ ሸነኻት ንሕና ዝሓሽና ኢና ነይርና። ወላ ሓንቲ ኩዕሶ ናብ ልዳትና ገጾም ከም ዘይፍትኑ ኢና ገይርና’ዮም። ብተወሳኺ፡ ንኽንዕወት ዘኽእለና እኹል ናይ ሸቶ ዕድላት ፈጢርና፡” ኢሉ። ብኸምዚ መለክዒ ማን.ሲቲ ካብ ናይ ቸልሲ ኮንተ ከቢድ ስግኣት ከም ዝነበራ ምርዳእ ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ጓርድዮላ ድሕሪ ጸወታ መዐወቲት ሸቶ ንዘመዝገበ ኣድሪያን ሲልቫ ገዲፉ ንኣጥቃዓዩ ሰርጆ ኣጉየሮ እዩ ከድንቕ’ዩ ተሰሚዑ። “ኣብ ሲቲ ካብ ዝመጽእ ከምዚ ዓይነት ኣጉየሮ ኣይረኣኹን” ብምባል ከኣ’ዩ ገሊጽዎ። ኮንተ ኣብ ቸልሲ ከም ዘይረግአ ይፍለጥ። ብኸምዚ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ብቕዓት ክግለጽ ግን ቅቡል ኣይከውንን።

ነዚ ኣርእስቲ ምስ ኣንበብኩም፡ ጋንታኡ ፕሪመር ሊግ ብገፊሕ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ትመርሖ ብምህላዋ ከይመስለኩም። ፐፕ ጓርድዮላ “ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዎ ምልክት” ተጠቒምካ ብዝብል’ዩ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ እንግሊዝ ክቐጽዖ ምዃኑ ገሊጹ ዘሎ። እቲ ስጳኛዊ ኣሰልጣኒ ንዝተበየነሉ መቕጻዕቲ ከም ዝተቐበሎ ድማ ቢቢሲ ኣፍሊጣ። ክሳብ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ናይ ይግባይ መሰሉ ውሑስ ዝነበረ ጓርድዮላ፡ ንሕጊ ማልያን ምውዕዋዕን ጥሒስካ ብዝብል እዩ ኣደዳ መቕጻዕቲ ዝኸውን ዘሎ። ጓርድዮላ ቅድሚን ድሕሪ’ቲ ጋንታኡ ማንቸስተር ሲቲ ብዊጋን ዝተረትዓትሉ ግጥም ኤፍ ኤ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸወታ ብጫ ሕብሪ ዘለዎ ምልክት ኮኾብ (ribbon) ኣብ ኣፍልቢ ዝወድዮ ማልያን ቱታን ለጢፉ’ዩ ክርአ ቀንዩ።ጓርድዮላ ነቲ ምልክት ኣብ ዝኾነ ማዕከን ዜና

ይኹን ጋዜጣዊ መግለጺ ክጥቀመሉ ነጻ ከም ዝኾነ ዝገለጸት መርበብ ሓበሬታ ኢኤስፒኤን ብወገና፡ ብመሰረት ሕጊ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ እንግሊዝ ግን፡ እቲ ኣሰልጣኒ ነቲ ምልክት ኣብ ውሽጢ 90 ደቓይቕ ናይ ጸወታ ክፍለ ግዜ ክጥቀመሉ ፍቑድ ከምዘይኮነ’ያ ተረድእ። ጓርድዮላ ንረፈረንዱም ምንጻል ዞባ ካታሎንያ

ካብ ማእከላይ መንግስቲ ስጳኛ ካብ ዝድግፉ ኣባላት ማሕበረሰብ ስፖርት እዩ። ንሱ፡ ነቶም ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብመንግስቲ ስጳኛ ዝተኣስሩ ኣባላት መንግስቲ ካታሎንያ ዝኾኑ ጆርዲ ሳንቸዝን ጆርዲ ኲሳርትን ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ ክብል ነቲ ምልክት ከም ዝወደዮ እዩ ዝግለጽ።

ጓርድዮላ ክቕጻዕ’ዩ

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ላ ሊጋ ዓቢ ግምት ዝተዋህቦ ግጥም ኣብ መንጎ መራሒት ዘላ ባርሰሎናን ካልኣይቲ እትርከብ ኣትለቲኮ ማድሪድን ዝተኻየደ እዩ ነይሩ። ባርሳ ነቲ ጸወታ ብእንኮ ሸቶ ኮኾብ ተጻዋታይ ሊዮነል መሲ 1ብ0 እያ ተዓዊታትሉ። ኣሰልጣኒ ኣትለቲኮ ማድሪድ

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ሆዜ ሞሪኖ፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2018 ተንታኒ ግጥማት ኮይኑ ክሰርሕ ምስ ኣርቲ ዝተባህለት ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከም ዝተሰማመዐ ደይሊ መይል ሓቢራ። መደበር ተሌቭዥን ‘ሩስያ ቱደይ’ ንሞሪኖ ንመዓልቲ 400,000 ፓውንድ ክትከፍሎ ከም ዝተሰማመዐት እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልጽ። ብተወሳኺ ናይ

ሞሪኖ ኣብ ዋንጫ ዓለም

2018

“መሲ ማልያ ኣትለቲኮ ወድዩ እንተዝነብር . . .” ሲሞነ

ቅድም ሓላው ልዳት ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበረ ፒተር ሽማይክል እውን ምስታ መደበር ቴለቭዥን ክሰርሕ ከም ዝተሰማመዐ ተፈሊጡ ኣሎ። ሞሪኖ ንከም ስኮለስ፡ ዋይን ሩኒን ካልኦትን ኣብ መደበራት ቴለቭዥን ቀሪቦም ብዝህብዎ ትንታነታት ክነቅፍ ከም ዘይጸንሐ ንባዕሉ ተንታኒ ኮይኑ ክሰርሕ ምስምማዑ ኣገራሚ ኮይኑ ኣሎ።

ዲየጎ ሲሞነ “መሲ ማልያ ኣትለቲኮ ማድሪድ ወድዩ እንተዝነብር፡ ንሕና ነቲ ጸወታ 1ብ0 ምተዓወትናሉ። ውድድር ላ ሊጋ ድማ ክፉት ኮይኑ ምቐጸለ” ክብል ብምስትምሳል ገሊጹ። መሲ ኣብ ልዕሊ ኣትለቲኮ ዘመዝገባ ሸቶ መበል 600 ንባርሰሎና ዘግዘማ ሸቶ ኮይና ተመዝጊባ

ኣላ። ባርሳ ዝሓለፈ ሓሙስ ናብ ላስፓልማስ ገይሻ 1ብ1 ድሕሪ ምፍልላያ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት እያ ኣብ ከቢድ ግጥም ኣንጻር ኣትለቲኮ ተጸሚዳ 1ብ0 ተዓዊታ። ባርሰሎና በቲ ዓወት ተሰንያ ንላ ሊጋ ብናይ ሸሞንተ ነጥቢ ፍልልይ መሪሕነታ ዓቂባ ትቕጽል ኣላ።

ብተወሳኺ፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ’ውን ኣብ ዓንቀጻቱ፡ ተጠቃምነት ከምቲ ጓርድዮላ ዝተጠቕመሉ ምልክት (ኣርማ) ዝኽልክል ዓንቀጻት ከምዘይብሉ ምንጪታት ኢኤስፒኤን የረድኡ።

መሲ መበል 600 ሸቶኡ እናኣመዝገበ

ተጻወትቲ ቸልሲ ንተጻወትቲ ማን.ሲቲ ክቀባበሉ ከለዉ ይዕዘብዎም

Page 9: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 9መበል 27 ዓመት ቁ.161

ዮናታን ገብረሂወት [email protected]

ፖሊስንደርቢ ማንቸስተር ዓቢ መደብ ይውጥን

ደንደን ውሽጣዊ ሽልማት ኣተኣታትያ

ሻምፕዮን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ - ክለብ ደንደን፡ ኣብ ዓመተ ስፖርት 2016-17 ብደረጃ

ዞባን ሃገርን ሕልፊ ዝኾነት ካልእ ክለብ ንኽትደምቕ ካብ ዘኽኣሉዋ ተጻወትቲ እሞ ብፍሉይ ጸብለል ንዝበሉ ሽልማት ዓዲላ፣ሰንበት ምሸት ኣብ መዘናግዒ ስፖርት

ክለብ ደንደን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት፡ ኣከፋፋሊ ሚኪኤል ዘርኣይ ብሉጽ ተጻዋታይ ናይ’ቲ ዓመተ ውድድር ተሰምዩ፣ ብሉጽ ሓላው ልዳት ሚልዮን ኣፈወርቂ ክኸውን እንከሎ፡ ተኸላኻላይ ኣቤል ዑቕባይን ኣከፋፋሊ እዮብ ግርማይን ዝበለጹ መንእሰያት ተጻወትቲ’ታ ክለብ ኮይኖም፣ ከም ብሉጻት ኣመዝገብቲ ሸቶ ድማ

ኣብ ሱፐር ዲቪዥን ‘ኤ’ ዞባ ማእከል

ብምምዝጋብ ሸቶ ዝደመቐ ሮቤል ኪዳነን ኣብ ሻምፕዮን ክለባት ኤርትራ ሃዳናይ ሸቶኣ ዝነበረ መድሃኔ ስዩምን ተሸሊሞም፣ እዞም ነዚ ታሪኻዊ ሽልማት ዓባይ ክለብ ደንደን ዝተቛደሱ ተጻወትቲ፡ ነፍሲ-ወከፎም ቦርሳ፡ ጫማ፡ ማልያን ካልእ ስፓርታዊ ዕጥቂን ዝሓዘ ሽልማት ተዓዲሎም፣ እዚ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ግዜ ዝተራእየ

መደብ ውሽጣዊ ሽልማት፡ ኣሰልጠንታ ብዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ኮይኑ፡ ኣካየድትን ቦርድን ክለብ ደንደን ብእወታ ብምቕባል ንሽልማት ዝኸውን ኩሉ ዘድሊ ናውቲ ስፓርት ስለዘማልኡ ክትግበር ከምእተኻእለ ተፈሊጡ፣ዕላማ’ዚ ብቐንዱ ፕሮፌሽናል ጋንታታት

ከማልአኦ ዝርአ ውሽጣዊ ሽልማት፡ ተጻወትቲ ኣብ ነሓድሕዶም ቅዱስ ስፓርታዊ ውድድር ብምስራጽ፡ ክእለቶም ብምዕባይ ኣብ ክለቦም ዘለዎም ኣበርክቶ ንምዕዛዝ ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ፡ ብተወሳኺ ቅሩብነቶም ብምዕባይ ምሉእ ተሳታፍነት ከምዝህልዎም ንምርግጋጽ ምዃኑ ኣሰልጣኒ’ታ ክለብ ኣቶ ኢሳያስ ኪዳነ ገሊጹ፣እዚ ሽልማት እዚ ንዅሉ ንጥፈታት

ክለብ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ ተጻወትቲ

ብዲስፕሊን ክህነጹን ኣብ ነሓድሕዶም ዘለዎም ሓድነትን ርክብን ብምሕያል ሕግታትን መምርሒታትን ክለብ ከኽብሩን ዝዓለመ እዩ፣ናይ መጀመርታ ተበግሶ ከም ምዃኑ

መጠን፡ ዘይሸለምዎ ንጥፈታት ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣሰልጣኒ ኢሳያስ፡ ኣብ ቀጻሊ ብዝለዓለን ቀዳምነትን ብፍላይ ድማ ‘ብኹለንትንኡ ብብሉጽ ስነ-ምግባር ዝተሃንጸ’ እሩም ዝጸወታኡ FAIR-PLAY ተጻዋታይ ዝብል ሽልማት ዝርከቦ ክሰርሑሉ ምዃኖም ኣረጋጊጹ፣ ብሚኒስትሪ ምክልኻል እትምወል

ክለብ ደንደን፡ ዓሚ ሻምፕዮንን ጐብለልን ዞባ ማእከል ከምኡ’ውን ሻምፕዮን ክለባት ኤርትራ ብምዃን ስሉስ ዓወት ምምዝጋባ ይዝከር፣ ደንደን ጽባሕ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ሰዓት 4፡00 ድ.ቐትሪ ኣንጻር ቲራቮሎ ብእተካይዶ ጸወታ እያ ንናይዚ ወቕቲ ውድድራ ክትፍልም፣ኣብ ናይ ኣስታት ክልተ ወርሒ ልምምዳ፡

ሓደስቲን ነባራትን ተጻወትታ ከምዘወሃሃደት ዝገለጸ ኣሰልጣኒ ኢሳያስ ኪዳነ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንዝጨበጡዎ ኣዝዩ ድሙቕ ዓወትን ዝረኸቡዎ ክብርታትን ሎሚ’ውን ክዕቅቡዎ ድሉዋት ምህላዎም ሓቢሩ፣

መደብ ጸወታ

ሎሚሻምፕዮንስ ሊግ

ቶተንሃም - ጁቬንቱስ 10፡45ማን.ሲቲ - ባሰል 10፡45

ጽባሕ ዩሮፓ ሊግ

ሚላን - ኣርሰናል 9፡00ቦርስያ ዶርትመንድ - ሳልዝበርግ 9፡00ሲኤስኬኤ ሞስኮ - ኦሊምፒክ ሊዮን 9፡00ኣት.ማድሪድ - ሎክሞቲቭ ሞስክቫ 9፡00

ላስዮ - ዳይናሞ ኬቭ 11፡05ስፖርቲን - ቪክቶርያ ፒዘን 11፡05

ኦሊምፒክ ማርሴ - ኣትለቲክ ክለብ 11፡05ለይፕዚ - ዘኒት 11፡05

ድሕሪ ሮናልዶ 40 ሸቶ ብመን?ሓደ ተጻዋታይ ምስ ሓንቲ እንግሊዛዊት ክለብ፡ ኣብ ብምሉኡ ውድድራት ናይ ሓደ ዓመተ ስፖርት ንዘደንቕ 40 ሸቶታት

ካብ ዝሓልፍ ንድሓር ሎሚ ሓደ ዕቝድ ኮይኑ ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ ክርስትያኖ ሮናልዶ እዩ፣ሮናልዶ ኣብ 2007-08 ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ እንከሎ፡ ኣብ 49 ግጥማት ተሰሊፉ ዘመዝገቦ 42 ሸቶታት፡ ንናይ ኣሌክስ

ፈርጕሰን ዓርሞሽሽ ጋንታ ድርብ ዓወት ክትጓናጸፍ ኣኽኢሉዋ እዩ - ዋንጫ ፕሪመር ሊግ ከምኡ’ውን ሻምፕዮንስ ሊግ፣ ብተወሳኺ፡ ብ31 ሸቶታት መራሒ ኣመዝጋቢ ሸቶ ፕሪመር ሊግ ዝኾነ እዚ ፖርቱጋላዊ ኮኾብ፡ እንተላይ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ሸሞንተ ሸቶታት፡ ኣብ ኤፍኤ ካፕ ሰለስተ ኣበርኪቱ እዩ፣ ድሕሪ ሮናልዶ ግን ዛጊት ወይከ!ብዝኾነ ኣብዚ ክፍለ-ግዜ፡ ሰለስተ ተጻወትቲ እንግሊዛውያን ክለባት 40-ሸቶ ንኽበጽሑ ወይ ክሓልፉ ጽቡቕ ዕድል ዘለዎም

ይመስል፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝበለጸ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ 2017 ተባሂሉ ሽልማት ለንደን ዝተቐበለ ኣጥቃዓይ ቶተንሃም ሆትስፓርስ - ሃሪ ኬን፣ ኬን ኣብ ፕሪመር ሊግ ዘመዝገቦ 24፡ ኣርባዕተ ኣብ ኤፍኤ ካፕ ከምኡ’ውን ሸውዓተ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ተደሚሩ ድሮ 35 ሸቶታት በጺሑ ኣሎ፣ ስፓርስ፡ ኣብ ኤፍኤ ካፕን ሻምፕዮንስ ሊግን ጸኒሓ ስለዘላ፡ ኬን ነቲ ደረጃ ክበቅዕ ዓቢ ዕድል ኣለዎ፣መሓመድ ሳላሕ፡ ኣብ ፋልማይ ዓመተ-ውድድሩ ኣብ ኣንፊልድ ብሉጽ ብቕዓት ዘንጸባርቕ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ እዩ፣

እዚ ምስራዊ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል፡ 24 ኣብ ፕሪመር ሊግ፡ ሓንቲ ኣብ ኤፍኤ ካፕን ሸውዓተ ኣብ ኤውሮጳን ብሓፈሻ 32 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ይርከብ፣ ሰርጂዮ ኣጕየሮ ናይ ማንቸስተር ሲቲ፡ ናብ’ዚ ላዕለዋይ ውድድር ኵዕሶ ካብ ዝመጽእ ንደሓር ወሓለ ኣመዝጋቢ ኮይኑ

ዝጓዓዝ ዘሎ ተጻዋታይ እዩ፣ ንሱ ኣብዚ ወቕቲ 30 ሸቶታት በጺሑ ኣሎ፣ እዚ 21 ኣብ ፕሪመር ሊግ፡ ክልተ ኣብ ኤፍኤ ካፕ፡ ሰለስተ ኣብ ዕዉት ጕዕዞ ሲቲ ናይ ኢኤፍኤል ካፕን ኣርባዕተ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግን የጠቓልል፣ ሲቲ ኣብዚ ዓመት እተርእዮ ዘላ ዕዉት ገስጋስ ነዚ ኣርጀንቲናዊ ብኽብሪ ክጽወዓሉ ዝኽእል ወቕቲ ስፖርት ክስንድ ዘኽእል ምዃኑ ድማ ይግለጽ፣ንቅዲታትን ኩነታትን እዞም ሰለስተ ተጻወትቲ እሞ ነነጻጽር፡ ሮናልዶ ቅድሚ 10 ዓመት ብመሳጢ ብቕዓት ንዝበጽሖ

ደረጃ ክመዓራረ ወይ ክበልጽ ዝኽእል መን ኮን ይኸውን?

ዝዓበየ ትካል ፖሊስ ማንቸስተር፡ ኣብቲ ማንቸስተር ሲቲ ንናይ ደርቢ መቐናቕንታ ዩናይትድ ብምስዓር ዋንጫ ፕሪመር ሊግ ምውሳዳ ከተረጋግጸሉ ከምእትኽእል ዝግመት ፍጻመ፡ ዓቢ መደብ ሓለዋ ይውጥን ኣሎ፣ እዘን ክልተ ጋንታታት፡ ዝመጽእ 7 ሚያዝያ ኣብ ስታድዩም ኢትሓድ ክገጥማ እየን፣

ዓወት ናይ’ቶም ብፐፐ ጓርድዮላ ዝስልጥኑ ተጻወትቲ ዘውዲ ሻምፕዮን ክደፍኡ ከኽእሎም ዝመስል ምዃኑ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ብብዙሓት ዝግመት ዘሎ እዩ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሲቲ ንማንቸስተር ዩናይትድ ብ16 ነጥቢ ቀዲማታ ኣላ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወሳኒ ግጥም ደርቢ፡ ጕጅለኣዊ ጸገማት ማለት ደገፍቲ ካብ ቦታኦም

ተንሲኦም ብዘካይድዎ ጽምብልን ካልእን ምናልባት ናዕቢ ንኸየስዕብ ድማ’ዩ ፖሊስ ማንቸስተር፡ ኣብ ስታድዩም ኢትሓድ ብዙሓት ፖላይስ ኣዋፊሩ ጽዑቕ ሓለዋ ብምክያድ እቲ ግጥም ብጽፈት ንኽዛዘም ዝሕንጽጽ ዘሎ፣ ፖሊስ ማንቸስተር ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ስርሒት ሓለዋ ኣብ ውሽጢ ስታድዩም ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ኣብ ደገን ማእከል’ታ ከተማን ከምዝኾነ ወሲኹ ይሕብር፣ክልቲአን፡ ኣብ ግጥም ደርቢ ቅድሚ ምርኻበን ከክልተ ጸወታታት ሊግ ከካይዳ እየን፣

ሲቲ ናብ ስቶክ ሲቲን ኤቨርተንን ጕዕዞ ክጽበያ እንከሎ፡ ዩናይትድ ድማ ንሊቨርፑልን ስዋንሲ ሲቲን ከተአንግድ እያ፣ ፍልልየን ከምዘለዎ እንተቐጺሉ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ርክበን ዓወት ምምዝጋብ ንመሪሕነት ሲቲ ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ናብ 19 ዘስፍሕ ስለዝኾነ፡ ንዋንጫ ክትበቅዕ ከኽእላ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝህሉ ሽዱሽተ ግጥማት ዝመጽእ ለውጢ ስለዘይህሉ፣

ኣከፋፋሊ ክለብ ናፖሊ - ጃርጊኖ፡ ዝመጽእ ክረምቲ ናብ ፕሪመር ሊግ ንምስግጋር ምስ ክለባት ኣርሰናል፡ ማንቸስተር ሲቲን ዩናይትድን ስሙ ይለዓል ብምህላዉ፡ ከይሓድጋ ዝሰግአት ክለቡ ብቐሊል ዋጋ ከም ዘይትለቆ ኣፍሊጣ፣ናፖሊ ኣብ ውድድር ሰረ’ኣ ኢጣልያ

ብእትቃለሶ ዘላ ናይ ሻምፕዮን ጉዕዞ፡ ነዚ ወዲ 26 ዓመት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክትሸጦ ኣዝዩ ከም ዝኸብዳ ርዱእ እዩ፣ እዚ ዓይኒ ማእከል ሜዳ ኮይኑ ዘሳልያ ዘሎ ኣከፋፋሊ፡ ምስ’ዛ ኣብ ዋንጫ ሓያል ተወዳዳሪት ኮይና እትርከብ ክለብ ክሳብ 2020 ዝጸንሕ ውዕል ኣለዎ፣ይኹን እምበር ናፖሊ፡ ንጃርጊኖ ክውንን

እየ ዝበለት ክለብ እንተላ፡ 60 ሚልዮን ፓውንድ ምስ እትቕርብ ክትወስዶ ከምእትኽእል ገሊጻ፣ ብዙሕ ግዜ እዚ ተጻዋታይ ስሙ ምስ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ክለባት ክለዓል ይስማዕ እኳ እንተኾነ፡ ዓላሚኡ ማውሪስዮ ሳሪ ግና ምስኦም

ጃርጊኖ . . .ከጽንሕዎ ዝከኣሎም ክገብሩ ምዃኖም እዩ ዝዛረብ፣ ክለቡ ኣብዚ ዓመት ንውድድር ሊግ

ክትዕወተሉ ቀዳማይ ዕላማኣ ገይራቶ ምህላዋን ኣብ ኤውሮጳዊ መድረኽ ተወዳዳሪት ኮይና ንኽትብድህ ድማ ከምዝጽዕርን ዝገለጸ ማውሪስዮ ሳሪ፡ “ከም ዝመስለኒ ጃርጊኖ ምሳና ዝኣክል ውዕል ኣለዎ፡” ብምባል፡ ምስ ዝሰጋገሩ ተጻወትቲ እንተተረቝሐ ኣገዳሲ ከምዘይኮነ ኣረዲኡ፣ ብዛዕባ መሸጣኡ ካብ ሓለፍቲ’ታ ክለብ

ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይመጾን ኣብ’ታ ክለብ ኣዝዩ ሕጉስ ከም ዘሎን ብምግላጽ ድማ፡ ንጃርጊኖ ኣዝዩ ጻዕራም፡ ብምሉኡ ሜዳ ዝበጽሕ ክኢላ ኣከፋፋሊን ኣብ ኲሉ መድረኽ ናይ ኤወሮጳ ክጻወት ዘኽእል ክእለት ዝውንንን ምዃኑ ገሊጹዎ፣ ናፖሊ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተሰርዓላ

ጸወታ ሰረ’ኣ፡ ብሮማ ተሳዒራ ምሉእ ነጥቢ ብምኽሳራ መሪሕነታ ብጁቬንቱስ ከምዝተመንጠለ ይፍለጥ፣

ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ማን ዩናይትድ ኣንጻር ክሪስታል ፓላስ ኣብ ትገጥመሉ ዝነበረት ምሸት’ዩ፣ ኣብ ስታድዩም ብኣካል ተረኺባ ትዕዘብ ዝነበረት ሓንቲ ንእሽቶ ህጻን፡ ነቲ ስሙ እናተዀልዐ ዝመጽእ ዘሎ ሓላዊ ልዳት ማን.ዩናይትድ ዴቪድ ዲሃያ - ‘ካብ ሕሉፍ ፍቕሪ ዝተበገሰዶ ክንብሎ. . .?’ - ነተን ዝጻወተለን ዝነበረ ጓንቱ ድሕሪ ጸወታ ንኽህባ ሓተተቶ፣እታ ቈልዓ ንሕቶኣ ኣብ መንጎ

ጸወታ ሕብራዊ ጽሑፍ ብዘለዎ ዓቢ ባነር ገይራ እያ ሕቶኣ ኣቕሪባ፣ ብኡ ንብኡ ድማ ኣብ ዓይኒ ካሜራ ኣትያ፣ ስጳኛዊ ዲሃያ ድሕሪ ጸወታ፡ ነቲ ባነር ኣብ ትዊተር ብዝተዘርገሐ ጽሑፍ ምስ ስእሉ ምስ ረኣየ፡ ነታ ህጻን ኣድራሻኣ ብምሕታት፡ ነተን ጓንቲ ከም ዝሃባ ተፈሊጡ፣

ዘርእማርያም ከሰተ

ተወሳኺ

Page 10: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 10መበል 27 ዓመት ቁ.161

ቤተልሄም ታደሰ

- እምነት

ኣማኑኤል

ሊድያ ስ

ልጣን

AZEL PHARMACEUTICAL SH.CO

VACANCY ANNOUNCEMENTAzel Pharmaceutical Sh. Co. is inviting interested applicants for the following

position

1. Electromechanical Engineer (1)

2. Qualification

- EDUCATION: BSc. In Mechanical or Electromechanical engineering - EXPERIENCE: Work experience of at least five years in assembling, maintaining

and repairing of industrial machines in a manufacturing organization;- Good knowledge of reading and understanding designs and blueprints

3. Job Duties Summary

Ensures that all mechanical maintenance, repair, servicing, and installation activities of production machines and equipment are properly carried out to meet manufacturing requirements.

4. Skills:

• Analytical ability• Excellent written and verbal communication skills• Team work and interpersonal skills• Business judgment and decision making skills• Mastery of computer use including MS Office applications

1. Machinist (3)

2. Qualification

- EDUCATION: Advanced diploma in Machine Shop or General Metal - EXPERIENCE: At least five years in a manufacturing company setting;- Good knowledge of reading and understanding designs and blueprints, and

operating manuals

3. Job Duties Summary

• Operate a variety of machine tools to produce precision parts and instruments. Examine and diagnose operating machines to detect malfunctions and carry out appropriate action for adjustment or repair. Carry out appropriate preventive and corrective maintenance according to schedule.

4. Skills:

• Analytical ability• Excellent written and verbal communication skills• Team work and interpersonal skills• Mastery of computer use including MS Office applications

1. Electrician (2)

2. Qualification

- EDUCATION: Advanced diploma in electricity - EXPERIENCE: At least five years of work experience in a manufacturing

organization;- Good knowledge of reading and understanding designs and blueprints

3. Job Duties Summary

Ensures that all electrical maintenance of production machines, HVAC system, electrical equipment and utilities are properly carried out to meet Manufacturing requirements; Ensures electric supply to all plant, equipment and areas of the company.

4. Skills:

• Design and blueprint reading• Team work and interpersonal skills• Business judgment and decision making skills• Mastery of computer use including MS Office applications

PLACE OF WORK: Keren SALARY: As per Company salary scale.

Note to Applicants:

All applicants must have proof of demobilization or exemption from the National Service.

Interested applicants should submit their applications and CV within 10 days from the date of publication in the newspaper through the following address.

Azel Pharmaceutical Sh. Co. Asmara: P.O. Box 6799 Tel: 120028/120029

Azel Pharmaceutical Sh. Co. Keren: P.O. Box 89 Tel: 400234/401994

ምልክታ ጨረታምም/ሆቴላት መንግስቲ ንኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደራ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከባ ሆቴላት መንግስቲ (እምባ

ሶይራ/ሓማሴን ሆቴል፡ ንያላ ሆቴልን ሰንትራል ሆቴል ኣስመራን) ካብ ዕለት 22/03/2018 ጀሚሩ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሕ ቀረብ ኣሕምልትን ፍረታትን ደርሆን እንቋቑሖን ዘቕርቡ ሕጋውያን ነጋዶን ንጨረታ ይዕድም።

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም

- ናይ 2017 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግድን ቅዳሕ መንነት ወረቐትን።- መኽበር ጨረታ 10,000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ናቕፋ ብC.P.O የትሕዝ።- ምልክታ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ን10 ናይ ስራሕ መዓልታት ክፉት ኮይኑ፡

ሰነድ ጨረታ (መግለጽን ዝምላእ ቅጥዕን) ኣብ ኣስመራ ኣብ ደምበ ሰምበል (እንዳ ኮርያ) ዝርከብ ህንጻ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ቤ/ጽ ምም/ሆ/መንግስቲ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዘይምለስ ናቕፋ 50.00 (ሓምሳ) ብምኽፋል ክውሰድ ይክኣል።- ጨረታ ድሕሪ ምዕጻው ቀጺላ ኣብ ዘላ ናይ ስራሕ መዓልቲ፡ ሰዓት 10፡00 ቅ.ቀ ተሳተፍቲ ወይ

ወኪል (ውላድ፡ ወላዲ፡ በዓል/ቲ ቤ/ት) ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ህንጻ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ቤ/ጽ ምም/ሆ/መንግስቲ ይኽፈት።- ምም/ሆ/መንግስቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ጨረታ ናይ ምስራዝ

መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ምም/ሆ/መንግስቲ

ዞባ ማእከል ኣስመራኣወልኬር ሳልሕ ዓብዱ ምባል ተሪፋ፡ ኣወልኬር

ተስፋሚካኤል ኣብርሃ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/3/18 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋብኣያ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ዝማም ማሕሙድ ሓምድ እድሪስን ተኸሳሲ ኣቶ ማሕሙድ ሓምድ እድሪስን ዘሎ ናይ ኣቦነት ክርክር፡ ተኸሳሲ ኣድራሽኡ ስለዘይተፈልጠ ተጸዊዑ ን22/3/18 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋብኣያ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን እቲ ምስርሕ ክቕጽልን ውሳነ ክወሃቦን ምዃኑ ቤት ፍርዲ የፍልጥ።

ከሰስቲ ወረ/ነፍ/ለምለም ገብረየሱስ +4፡ ተኸሰስቲ 1.ኣቶ ታደሰ ገብረየሱስ 2.ወረ/ነፍ ገዳም ገብረየሱስ +4 ዘሎ ጉዳይ፡ ተኸሳሲ 1.ኣቶ ታደሰ ገብረየሱስ ኣድራሽኡ ስለዘይተፈልጠ፡ ተጸዊዑ ን23/3/18 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቁ.35 ይቕረብ። ተኸሳሲ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት እንተዘይቀሪቡ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘይቀረበሉ ጉዳይ ክረአን ዳንነት ክቕጽልን ምዃኑ የፍልጥ።

1.ሜላኤል ስምኦን ቀለታ 2.ያዲኤል ስምኦን ቀለታ ብሞግዚቶም ወ/ሮ ናጽነት ታትዮስ ኣቢሎም፡ ያዲኤል ስምኦን ቀለታ፡ ስም ኣደይ ናጽነት ታትዎስ ምባል ተሪፋ፡ ናጽነት ታትዮስ ተባሂሉ ክእረመለይ ከምኡ’ውን መለኤል ስምኦን ምባል ተሪፋ፡ ሜላኤል ስምኦን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/3/18 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሳባ ተስፋሚካኤል ገብረእንድርያስ ምባል ተሪፉ፡ ሳባ ተኽለሚካኤል ገብረእንድርያስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ሰለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/3/18 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ሄለን ገብረመስቀል ወልደሃይማኖት ምባል ተሪፉ፡ ሄለን ተስፋይ ወልደትንሳኤ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ሰለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/3/18 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ መስዑድ መሓመድ ኣብርሃን ተኸሰስቲ 1.ወ/ሮ ሳራ ተስፋይ ይልማ +2 ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሰስቲ ራሄል ነጋ ሃይለ፡ ሳሚኤል ነጋ ሃይለ ብኣድራሽኦም ሰለዘይተረኽቡ ተጸዊዖም፡ ን3/4/18 ኣብ ላ/ቤ/ፍ ንግዲ መጋባኣያ ቁ/40 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣባሻውልካፕ/ኣብርሃም ወልዱ ይሕደጎ፡ ኣደይ ገዛኘን ወልዱ

ኣረጋይ ሰለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ሰለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕርብ።

ከሳሲት ወ/ሮ ወይኒ ተኽለ ዘርአ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ወልዱ ክንፋት ሓጎስ ብ11/1/2014 ብዝፈጸምናዮ መሸጣ ውዕል መኪና ቁ.ሰሌዳ ER-1-25999 ቁ.ቻሲ *JTIT33LN8509016295* ዝኮነት ብዋጋ ናቕፋ 100,000.00 (ሚእቲ ሽሕ) ሸይጥለይ ገንዘብ ብምሉእ ተኸፊሉ። እታ መኪና ናብ ስመይ ከመሓላልፈለይ ምዃኑ ተሰማማዕና ብኣድራሽኡ ክረኽቦ ሰለዘይከኣልኩ፣ ተጸዊዑ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ምስ ዘይቀርብ ተኸሳሲ ኣብ ዘየለወሉ መስርሕ ዳንነት ክካየድ ምዃኑ ንሕብር።

ከሳሲት ኑዋራ ስዓድ ሓቢብ፡ ተኸሳሲ መሓመድ ሸኽ መ/ዓሊ ዘሸጠለይ መኪና ቶዮታ ዝዓይነታ ቁ.ER-1-20585 ዝኾነት፡ መኪና ሸይጥለይ ናበይ ከምዝኸደ ክረኽቦ ሰለዘይከኣልኩ፡ ንጹር ኣድራሻ ሰለዘይብለይ፡ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ፡ ን22/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሳዕዳ ኢብራሂም መሓመድ ብወኪላ ወ/ሮ ነጀራ ኣሕመድ ኣቢላ፡ ወለድና ኢብራሂም መሓመድን ራሕማ ዮሱፍን ሰለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣኽርያከሳሲት ወ/ሮ ኣስቴር በረኸት ቀለታ፡ ተኸሳሲ ኣቶ

ለቪስ ኦነጊ ናይ ስብኣይን ሰበይትን ክሲ ተመስሪትልካ ስለዘሎ፣ ባዕልኻ ወይ ሕጋዊ ወኪልካ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ኣብ ዘየለኻሉ ውሳነ ክወሃብ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣርባዕተ ኣስመራ

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ሳሊና መንግስተኣብ ተድላን ተኸሳሲ ኣቶ ተስፋሂወት ንጉሰ ዮሴፍን ዘሎ ናይ ሓዳር ጉዳይ፡ ተኸሳሲ ክሲ ተመስሪትልካ ሰለዘሎ፣ ባዕልኻ ወይ ሕጋዊ ወኪካ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ኣብ ዘየለኻሉ ናብ ቤተ ዘመድ ሽማግለ ተመሪሑ ክውሰን ምዃኑ ንሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዕዳጋ ሓሙስ ኣቶ ቫሲካሊኖ ፐሪሲ ጉዶ፡ ወ/ሮ ለተነብያት ባህታ

ንጉሰ ሰለዝሞተት፡ ኣነ ምስ ሓንቲ ሓፍተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ሰለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ቤት ፍርዲ ክውስን ምዃኑ የፍልጥ።

ወ/ሮ ሊድያ ዑቕባይ ዓስቡ፡ በዓል-ቤተይ ኣቶ ዳዊት ሃብተ ካሕሳይ ሰለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ውሳነ ክህበሉ ምዃኑ የፍልጥ

ከሳሲት ወ/ሮ ሽዋ ብርሃነ ተኽለ፡ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ ኣቶ ኢልያስ ኣማረ ገብረእግዚኣብሄር ብገዛ ክራይ ውንዙፍ ዕዳ ክሲ ተመስሪቱልካ ስለዘሎ፣ ባዕልኻ ወይ ሕጋዊ ወኪልካ፡ ን29/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። ምስ ዘይትቐርብ ቤ/ፍ ኣብ ዘየለኻሉ ውሳነ ክህበሉ ምዃኑ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

ወ/ሮ ናጽነት ብርሃነ፡ በዓል-ቤተይ ከሰተ ኪዳነ ሰለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ዮዲት ገብረኣምላኽ ወልደኪዳን፡ ብወኪላ ጸጋዘኣብ ገብረኣምላኽ ወልደኪዳን ኣቢላ፡ ወላዲትና ይሕደጋ ወልደሚካኤል ከሰተ ሰለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሓዳስ ዑቕባገብርኤል ክፍላይ፡ ኣደይ ተበርህ ምስግና ተሰማ ሰለዝሞተት፡ ኣነ ምስ ሓንቲ ሓፍተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራት

ኣቶ ሃብተሚካኤል ሰለባ ስልጣን፡ በዓልቲ-ቤተይ ጽገሃና ተወልደመድህን ካሕሳይ ሰለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ምልክታ ጨረታማ/ደ/ቤት ትምህርቲ ዳሉል (12) ዓሰርተ ክልተ መዓጹ ናይ ቤት ትምህርቲ ክሰርሕ ስለዝደለየ፡ ዓቐን

መዓጹ ካብ ቤት ትምህርቲ ብምውሳድ ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ክሳብ 10/3/2018 ከቕርብ ንሓትት። ቤት ትምህርቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ፡ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዳሉል

Page 11: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 11መበል 27 ዓመት ቁ.161

ምልክታኣብ ኣስመራ ከተማ ዞባ 9 ምምሕዳር 06 ጎደና ‘ለ’ ፕሎት (137-48) ስፍሓት 80 ት/ሜትሮ

ቁጽሪ ምስክር ወረቐት 106949 መወከሲ ቁጽሪ 100338 ተመዝጊቡ ዋንነቱ ብስም ወለድና ኣቦና ነፍ/መብራህቶም ተወልደመድህን ንጉሰ ከምኡ’ውን ኣደና ነፍ/ት ወ/ሮ ደመቀሽ ኣርኣያ ተስፋገርግሽ ዝተረጋገጸ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ገዛ፡ ምስ 5 ኣሕዋተይ ብዘሎና ናይ ውርሲ መሰል ተጠቒምና ናብ ስምና ከነመሓላልፎ ስለዝደለና፣ ዝቃወም ሰብ እንተሃልዩ፡ እዚ ምልክታ ካብ ዝተቓልሓሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ስልጣኑ ካብ ፍርዲ መቓወሚኡ ናብ ክፍሊ ፓብሊክ ኖታሪ ሃገራዊ ካዳስተር ከቕርብ ንሕብር። እዚ ኮይኮነ ምስ ዝተርፍ ግን ናይዚ ካብ ወለድና ዝረኸብናዮ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ገዛ ስም ዋንነት ናብ ስምና ከነመሓላልፍ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክንሓትት ምዃንና ንሕብር።

ወ/ት ገነት መብራህቶም ተወልደመድህን

ወ/ሮ ፍረወይኒ ገብረሃንስ ኣርእያ ዝተብሃልኩ፡ ኣብ ምም/ዞባ ማእከል ምም/ን/ዞባ ጋላነፍሒ ዳዕሮ ጳውሎስ ኣብ ብሎክ 82 ፓርሰል ‘ኢ’ ብቤት ጽሕፈት ሚኒ/መሬትን ማይን ኣከባብን ብመለለይ ቁጽሪ 001072 ብዋንነት ደብተር ቁጽሪ 003869 ብስመይ ዝተመዝገበ ቀንዲ (ኦርጂናል) ዋንነት ደብተር (ሊብሬቶ) ስለዝጠፍኣኒ፣ ረኺበዮ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ኣለኹ ዝብል እንተሎ፡ ብቁጽሪ ቴሌፎን 07247153 ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ክሕብሩኒ። እንተዘይኮይኑ መተካእትኡ ክወሃበኒ ክሓትት ምዃነይ እሕብር።

ፍረወይኒ ገብረሃንስብወኪል ኣቶ ገብረሃንስ ኣርኣያ

ብስም ተወልደ ዘወልዲ ተኽለ ዝተመዝገበ ቁ/ፍቓድ ዋኒን ASL00006062 ዝኾነ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ጎዳይፍ ጎደና ተጋደልቲ ቁ.ገዛ - ዝርከብ ናይ ድኳን ትካለይ፡ ንኣቶ ሺሻይ ተኪኤ ገብረ ካብ ዕለት 01/01/2017 ክሳብ ዕለት 31/12/2020 ኣካርየዮ ስለዘለኹ፣ ዝቃወም ኣካል ምስ ዝህሉ፡ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤት ፍርዲ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ክራይ ውዕል ሕጋዊ ምዝገባ ከምዝፍጸመሉ አፍልጥ።

ኣቶ ተወልደ ዘወልዲ ተኽለ

ምልክታ ጨረታኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ባሕሪ ምጽዋዕ፡ ንዘለዎኦ ኮምፒተራት፡ ፍርጅ፡ ቨንተለተራትን

ኤርኮንድሽንን ንምጽጋንን ሰርቪስ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ውዕል ክግበር ስለዝደለየ፡ ተወዳደርቲ ንጨረታ ንዕድም።

ክማልኡ ዘለዎም

- ናይ 2017 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ናይ ጽገና ኮምፒተርን ኤርኮንድሽንን።- ሳንዱቕ ጨረታ ክሳብ ዕለት 28/03/2016 ሰዓት 02፡00 ድ/ቀ ክፉት እዩ። ንጽባሒቱ

ተወዳደርቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት 29/03/2018 ሰዓት 09፡30 ቅ/ቀ ኣብ ባጽዕ ይኽፈት።- ተጫረትቲ ንመኽበሪ ጨረታ 15,000 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ናቕፋ ንነፍሲ ወከፍ ጽገና

ኮምፒተርን ኤርኮንድሽንን ብC.P.O የትሕዙ።- ሰነድ ጨረታ ኣብ ኣስመራ ዮኒቨርስቲ ቁ.255 ወይ ኣብ ባጽዕ ኣብ ቤ/ጽ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን

ቴክኖሎጅን ባሕሪ ምጽዋዕ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክርከቡ ይኽእሉ።-ተወሳኺ ሓበሬታ ብቁ/ስልኪ 541239 ክትድውሉ ትኽእሉ።- ኮለጅ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተተረኺቡ ብምሉኡ ወይ ብኽፋል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰል

ኣለዎ።ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ባሕሪ

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራት

ኣቶ ሚኪኤል ጸጋይ ወልደኣብዝጊ፡ ኣደና ወ/ሮ ለተንጉስ ወልዱ ተስፋጽዮን ሰለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 8 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ስላስ ወልደገብርኤል ተኽላይ፡ በዓል-ቤተይ ተስፋሚካኤል ናይዝጊ ደበሳይ ሰለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሸሪዓ ዞባ ማእከል

ከሳሲት ሑርያ በሸር ኢብራሂም፡ ተኸሳሲ ሳልሕ ከሊፋ እድሪስ በዓልቲ ቤትካ ክሲ መስሪታትልካ ሰለዘላ፣ ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪልካ፡ ን20/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ሸሪዓ ዞ/ማ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ኣብ ዘየለኻሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ቁሸትወ/ሮ ክብራ ኪዳነ ፍስሃየ፡ በዓል-ቤተይ ተወልደመድህን

የውሃንስ ብኢደይ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ከሳሲት ወ/ሮ ኣስመረት መብራህቱ ምስ ተኸሳሲ ኣቶ ኤፍሬም በረኸት ብቤተዘመድ ሽማግለ ተመርዒና 1 ቆልዓ ወሊድና። እንተኾነ ግን እዚ ተኸሳሲ ካብዚ ሃገረ ስለዝወጸ፡ ንጹር ኣድራሻኡ’ውን ስለዘይብለይ ተጸዊዑ ናብ ቤተዘመድ ሽማግለ ተመሪሑ መዕለቢ ይገበረለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ዮዲት ብርሃነ መብራህቱ፡ ኤርምያስ ብርሃነ መብራህቱ ስለዝሞተ፡ ውላድ ስለዘይብሉ ኣነ ምስ 6 ህልዋት ኣሕዋተይ፡ 2 መወቲ፡ 5 ተተካእቲ ደቆምን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጻዕዳክርስትያን

መም/ስምኦን ቦኽረ ገብረኣብ፡ ወለድና ቦኽረ ገብረኣብን ስላስ ቀሺ ሃይለን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ተኽልማርያም ሰለሙን ግደ፡ ኣቦይ ሰለሙን ግደ ባዓታይ ስለዝሞተ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ርሻን ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣደይ ጸሃይቱ ተኽሉ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ ውዳሰ ገ/ኣምላኽ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ግርማይ ገብረልኡል፡ ኣባሓጎይ ገ/ገርግሽ ዑቕባገርግሽ

ቤተይ ኣቶ ሺሻይ ዑቕባይ ገ/ሂወት 3 ዓመት ዝኣክል ክኣልየንን ክናብየንን ስለዘይከኣለ፡ ተጸዊዑ ብመንገዲ ሕጊ ፍርቂ መሰለይ ክሕለወለይ ናብ ቤተዘመድ ሽማግለ ክምርሓለይ ስለዝበላ፣ ተኸሳሲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሉ፡ ን19/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ጉዳዩ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሓውሲ ከተማ ጸሮና

ወ/ሮ መዛርብቲ ንጉሰ ገብራይ፡ በዓል-ቤተይ ገብረልበናስ ወልደገብርኤል መድህን ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣድሓነት የውሃንስ ካሕሳይ፡ ተኸሳሲ በዓል-ቤተይ ኣማኑኤል ኣስበሮም ገረማርያም 4 ዓመት ይገብር ካብዚ ሃገር ስለዝወጸ፡ ደሃዩ ስለዘይብለይ ይጸውዓለይ፡ ናብ 5 ዘመድ ሽማግለ ይመርሓለይ ስለዝበላ፣ ተጸዋዒ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሓውሲ ከተማ እንዳገርግሽ

ወ/ሮ ለተብርሃን ለኣከ ተስፋይ፡ ኣቦሓጎይ ተኽለ ተላን ዓባየይ ምጽላል ጎጀን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዳምባ ምጭኣቶ ተኽለሚካኤል ተስፋገርግስ ድራር፡ ሓፍትና

ለተማርያም ተስፋገርግስ ድራር ስለዝሞተት፡ ኣይወለደትን፡ ወለድና’ውን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 8 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገርጠጢወ/ሮ ፋኑስ ገብረእግዚኣብሄር ሰመረኣብ፡ በዓል-ቤተይ

ኣቶ መድሃንየ መሓሪ መብራህቱ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 8 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ጊንዳዕ

ኣቶ ኤርምያስ ዘሚኪኤል እምሃ፡ ተጸዋዒት ወ/ሮ ብርኽቲ ኣርኣያ ክፍለማርያም ብዛዕባ ጥፉእ ክሲ ቀሪቡልክን ስለዘሎ፣ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል፡ ን29/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ቅረባ። እንተዘይቀሪብክን ቤ/ፍ ንጉዳይ ኣብ ዘየለኽናሉ ውሳነ ክህበሉ ምዃኑ ይሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ተሰነይ ዞባ ሰውራ

ኣቶ ምሕረትኣብ ተኽላይ ገረዝጊሄር፡ ብዕለት 16/12/2013 ካብ ኣቶ ጎይትኦም ዮውሃንስ ምራጭ መኪና ዓይነታ ቶዮታ ሞዴል 1989 ቁ/ቻሲ RN35-0000042 ቁ/ሞቶር 22R-2887696 ቁ/ሰሌዳ ER-1-2953 ዋጋ 100,000 ናቕፋ ሸይጡለይ ስም ሊብሬቶ ከየመሓላለፈለይ ብኣድራሽኡ ስለዝሰኣንክዎ፡ ተጸዊዑ ስም ምትሕልላፍ ይፈጸመለይ ስለዝበሉ፣ ተጸዋዒ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል፡ ን26/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ቤ/ፍ ኣብ ዘየለወሉ ውሳነ ክህብ ይኽእል እዩ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሻምብቆኣቶ ተስፋሂወት ክብረኣብን ቀድሽ ብርሃነን ወድና

ናቕፋ ተስፋሂወት ስለዝሞተ፡ ንሕና ወለዱ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ጎልጅከድጃ መሓመድ እድሪስ ምባል ተሪፉ፡ ከድጃ

መሓመድእድሪስ ሙሳ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ስለዝሞተ፡ ንኣደና መኣዛ ኣብርሃም ተኪእና፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሰናይት የማነ፡ ኣቦይ የማነ ሃይለ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ቦኽረጼን ወልደሚካኤል በይን፡ ኣባሓጎይ በይን ኣበድ ዳንግሽን ዓባየይ ታርታ ሃብቶምን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 3 ደቆም ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ቦኹረጼን ወልደሚካኤል በይን፡ ኣቦይ ወልደሚካኤል በይን ኣበድን ኣብርሀት ክፍለ ሃብተጼንን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ቦኽረጼን ወ/ሚካኤል፡ ኣባሓጎይ ኣበድ ዳንግሽ ስለዝሞተ፡ ብርሃነ ኣበድ ምስ 5 ኣሕዋቱ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ጓዕዳድከሳሲት ወ/ሮ ኣኽበረት ሰመረኣብ ተወልደ፡ ተኸሳሲ

በዓል-ቤተይ ኣቶ መሓሪ ሃይለ ገብረስላሰ ንሓዳርኩም ዝምልከት ክሲ ቀሪቡልካ ስለዘሎ፡ ን6/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብኩም ጉዳይኩም ከረአ እዩ።

ኣቶ ሞጎስ ፍስሓጽዮን ፍረዝጊ፡ ተጸዋዒ ኣቶ ይትባርኽ ወልደትንሳኤ ናይ ገዛ መኪና ዓይነታ ኦፔል ካዲት ሰሌዳ ቁጽሪ ER-1-10810 ቻሲ ቁጽሪ WOL 000034E2675193 ብዋጋ 15,000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ናቕፋ ሸይጡለይ። ብስመይ ስለዘየመሓላለፈለይ ይጸውዓለይ ስለዝበሉ፣ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሉ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ቤ/ፍ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ እዩ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ወኪድባወ/ሮ ሮማ ኣሮን ቀሺ ሃይለ፡ ወላድየይ ኣሮን ቀሺ

ሃይለ ስለዝሞተ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ዓንሰባ ከረን ወ/ሮ ሓዳስ ገረዝጊሄር ጊላሚካኤል፡ ኣደይ ነፍ/እሙና

ሓጎስ ጋመ ብዕለት 1/4/93 ዝሃበትኒ ለበዋ ክጸድቀለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ታይዳሳ ተስፋኣለም ዘርኣይ ብሞግዚቱ ወ/ሮ ኣዝመራ ሓጎስ እድሪስ ኣቢሉ፡ ታይዳሳ ተስፋኣለም ዘርኣይ ምባል ተሪፉ፡ ብርሃነመስቀል ተስፋኣለም ዘርኣይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን 03

ወ/ሮ እምቤተይ መንግስትኣብ ተኽሉ፡ በዓል-ቤተይ ሃብተ ተኽላይ ተላ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 8 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ መንደፈራኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ማጆር ሃይለ ረደሀይን ተኸሰስቲ

ኣቶ ስዩም ብርሃነ እስቅያስን ወ/ሮ ሳራ ኣብርሃ ኪዳነን ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሰስቲ ብኣድራሻኦም ክርከቡ ስለዘይከኣሉ፣ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሎም፡ ን12/4/18 ኣብ ላ/ቤ/ፍ መንደፈራ ይቕረቡ።

ደቀምሓረወ/ት ልዋም ደበሳይ ገባር ምባል ተሪፉ፡ ልዋም ደበሳይ

ገብረድንግል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/3/18 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ምስጋነ ዘርኦም በየነ ምባል ተሪፉ፡ ምስግና ዘርኡ በየነ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/3/18 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ መቐርካኣቶ መድሃኔ ተስፋይ ባህታ፡ ብስመይ ዘሎ ልቸንሳ ንወ/ሮ

ለምለም ሰገድ ከሰጋግሮ ስለዝደለኹ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ መንደፈራ

ወ/ሮ ዕምበባ ተኽለሃይማኖት ፍስሃጼን ምስ ተጸዋዒ በዓል-ቤተይ ተስፋይ ገብረሚካኤል ገብረገርግሽ ኣብ 2013 ተመርዒና 1 ቆልዓ ወሊድና። እንተኾነ ግን እዚ ተጸዋዒ በዓል-ቤተይ ካብዚ ሃገር ወጺኡ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን። ስለዚ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ይጸውዓለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/4/18 ኣብ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ቤ/ፍ ክውስን እዩ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲ ቐይሕ

ኣቶ መሓሪ ተስፋሚካኤል ጸጋይ፡ ልዋም ፍትዊ ተኽለ ስለዝሞተት፡ 1 ወዳ ጥራይ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወራሲ ምዃኑ ይረጋገጸሉ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ልእልቲወይኒ ገብረኪዳን ንጉሰ፡ በዓል-ቤተይ ግርማይ በየነ ገብረሚካኤል ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 10 ደቁ ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲ ዃላ

ወ/ሮ ሳባ ኣርኣያ ኣስፍሃ፡ በዓል-ቤተይ ክፍሎም ገብረዝግኣብሄር ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣበባ ኣስመሮም ገ/መድህን ምስ ተጸዋዒ በዓል-ቤተይ ኣቶ ሚኪኤለ ከፈላ ተስፋይ ብባህልን ልምድን ተመርዒና 5 ቆልዑ ወሊድና። እንተኾነ ግን እዚ በዓል ቤተይ ኣብ ውሽጢ ሃገር እናሃለወ ክኣልየንን ክሕግዘንን ስለዘይከኣለ፡ ይጸውዓለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/3/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓደምነገርወ/ሮ ኢትዮጲያ ሰመረ ዕቑባጋብር፡ በዓል-ቤተይ ኣቶ

ክፍልማርያም ኣይኒኣለም ኣብርሃ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 8 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/4/18 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ መእለዊያከሳሲት ወ/ሮ ነብያት ይከኣሎ ተስፋይ፡ ተኸሳሲ በዓል

ኣገዳሲ ምልክታማሕበር ወነንቲ ኣባይቲ ሓድሽ ኩትምያ ምጽዋዕ (እንዳ ኮርያ)፡ ንቀዳም ዕለት 10 መጋቢት 2018

ዓመታዊ ጉባኤኡ ከካይድ እዩ። ምእንቲ’ዚ ኩሉ ኣባል ማሕበር ብኣካል ወይ’ውን ብሕጋዊ ወኪሉ ኣብዚ ተመዲቡ ዘሎ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡00 ድ/ቀ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ባንክ ኣባይትን ንግድን ኣስመራ ክትርከቡ ብጥብቂ እናሓበርና፡ ኣኼባና ብዛዕባ ምትሕልላፍ ዋንነት ንማሕበር ዝምልከቱ ኣገደስቲ ሓበሬታታትን ስለዘለውን ዘቲና ክንውስን ስለዝኾንናን ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ብዘይምርካብኩም ንዘጋጥመኩም ዕንቅፋት ቦርድ ሓላፍነት ከምዘይስከም ኣቐዲምና ነፍልጥ።

ቦርድ ማሕበር

Page 12: ደቡብ - ጥዕናዊ ጐስጓሳት ንኸድምዕ ጻዕርታት ይካየድ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_070322018.pdfታሪኽ ገዳም ደብረ-ሃዋርያት

ሓዳስ ኤርትራ 7 መጋቢት 2018 - ገጽ 12መበል 27 ዓመት ቁ.161

Sabur Printing Services

ፋርማሲ ሚለንዩም

ተረኛ ፋርማሲ ጎደና ቁ.ስልኪ ጎደና ባሕሪ ባራ-191፡ ቁ.8፡ ማይ ጭሆት ትሕቲ መስጊድ 071534487/3/2018

ዕለት

ፋርማሲ ቁ.1 መዓልታውን ለይታውን ኣገልግሎት ትህብ ቁ.ቴሌፎን 127565

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ኣብ ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮሂንግያ ዝዀኑ ዜጋታት’ታ ሃገር ተግባራት ምጽጻይ ዓሌት ይቕጽል ምህላዉ ኣብታ ሃገር ዝበጽሐ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።መንግስቲ ሚያንማር ነቶም ካብ ግፍዕታት

ሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገር ኣምሊጦም ናብ ባንግላዲሽ ተሰዲዶም ዝርከቡ ዓሌት ሮሂንግያ ከም ዝቕበሎም ይገለጽ ደኣ’ምበር፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ናብ ሚያንማር ዝተመልሱ ስደተኛታት ብሓይልታት መንግስቲ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ገና ይቕጽል ምህላዉ’ዩ እቲ ልኡኽ ዝገልጽ። ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ብኣካል ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተመለስቲ ኰነ ኢልካን ሰፊሕን ግፍዕን ምክልባትን ከም ዝፍጸም ኣረጋጊጹ ምህላዉ ኣነጺሩ። “በዚ ዘሎ ኩነታት ንድሕነት ስደተኛታት ውሕስነት ዝህብ ኣሰራርሓ ክተኣታቶ ዘይሕሰብ’ዩ” ብምባል ድማ ገሊጹ።ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ

ዝሓለፈ ነሓሰ ክሳብ ሕጂ ጥራይ ልዕሊ 700 ሽሕ ካብ ዓሌት ሮሂንግያ ዝዀኑ ዜጋታት ሚያንማር ናብ ባንግላዲሽ ተሰዲዶም።መንግስቲ ሚያንማር ኣብ ልዕሊ’ቶም

መበቈላውያን ዜጋታት ናይታ ሃገር

“ምጽጻይ ዓሌት ሮሂንግያ ቀጺሉ” ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት

ከም ዘይኰኑ ዝገልጾም ዓሌት ሮሂንግያ ተግባራት ምጽጻይ ዓሌት ከም ዝፍጽም’ዩ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝኽሰስ። እቶም ኣብ ዞባ ራኪኒ ዝነብሩ ዜጋታት ብመንግስቲ ሚያንማር መሰል ዜግነት ከም እተኸልከሉ’ውን ይፍለጥ። ዓሌት ሮሂንግያ፡ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ካብ ባንግላዲሽ ናብ ሚያንማር ዝሰገሩ’ምበር

መበቈላውያን ዜጋታት’ታ ሃገር ከም ዘይኰኑ’ዩ መንግስቲ ሚያንማር ዝገልጽ።ሰራዊትን ኣባላት ሚሊሻን ሚያንማር

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ንኣማኢት

ዓሌት ሮሂንግያ ዝነብሩለን ዓድታት ከቃጽሉወን እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርተን ድማ ሰፊሕ ናይ ቅትለትን ዓመጽን ተግባራት ከም ዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። መንግስቲ ሚያንማር፡ ኣንጻሩ ንዝዋግኡ

ዘለዉ ዕጡቓት ሮሂንግያ ንምድምሳስ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ገለ ግፍዕታት ክፍጸም ከም ዝኽእልን እንተዀነ ኰነ ኢሉ ዝኽተሎ ኣሰራርሓ ከም ዘይኰነን ይሕብር።ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብሰንክ’ቲ

ኣብ ዞባ ራኪኒ - ሚያንማር ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ተወለድቲ ዓሌት ሮሂንግያ ናብ ስደት ከም ዝወሓዙ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ሓደ ኣባል ትካል ስለያ ሩስያ (ከይ.ጂ.ቢ) ነበር ሩስያዊ ምስ ጓሉ ብዘይተፈልጡ ሰባት ተሰሚሙ፤ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ከም ዘሎ ቢቢሲ ሓቢሩ።እቲ ‘ሰርጌ ስክሪፓል’ ዝተባህለ ውልቀ-

ሰብ ምስ ጓሉ ‘ዪልያ ስኪሪፓል’ ብሓባር ኣብ ቤት መግቢ እንከሎ ከም እተሰመመን፡ ክልቲኦም ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክንክን ሕክምና ከም ዝርከቡን ተገሊጹ። ኩነታት ጥዕናኦም ኣብ ሕማቕ ደረጃ ወዲቑ ምህላዉ ድማ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።ጋዜጣ ዘ-ጋርድያን፡ ስክሪፓል፡ “መንነት

ናይቶም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝሰርሑ ኣባላት ስለያ ሩስያ ንትካል ስለያ ብሪጣንያ (ኤም.ኣይ.6) ኣሕሊፍካ ሂብካ” ተባሂሉ ብሩስያ ከም ዝኽሰስ ገሊጻ። ካብ 2006

ሩስያዊ ሰላዪ-ነበር ኣብ ብሪጣንያ ተሰሚሙ

ፕረዚደንት ኣርጀንቲና-ነበር ክሪስቲና ክሪችነር፡ ስልጣና ተጠቒማ ምስ ምዕባጥ መርመራ ገበን ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ተኸሲሳ ከም ዘላን ናብ ፍርዲ ከም እትቐርብን ዋና ኣኽባር ሕጊ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ክሪስቲና ክሪችነር

ምስ 11 ሰበ-ስልጣን ኣርጀንቲና ነበር ብምትሕብባር፡ ኣብ 1994 ኣብ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር - ቦነስ ኣይረስ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ “ግቡእ መርመራታት ከይግበረሉ ከልኪላ” ተባሂላ’ያ ተኸሲሳ ዘላ።ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ማእከል

ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኢድ ናይ መንግስቲ ኢራን ከም ዝነበሮ ንኸይቃላዕ እቶም ሰበ-ስልጣን ኣርጀንቲና ምጽራያት ከይግበር

ፕረዚደንት ኣርጀንቲና-ነበር ናብ ፍርዲ ትቐርብ

ከም ዝኸልከሉ’ዮም ዝኽሰሱ። ኣርባዕተ ካብኣቶም ድሮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝርከቡ ድማ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት-ነበር ክሪስቲና ክሪችነርን

11 ብጾታን ናብ ፍርዲ ዝቐርብሉ ግዜ ከም ዘይተወሰነ ፈደራላዊ ኣኽባር ሕጊ ኣርጀንቲና ክላውዲዮ ቦናዲዮ ገሊጹ።ቅድሚ 24 ዓመት ኣብ ኣርጀንቲና

ኣንጻር ኣይሁድ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወት 85 ሰባት ከም ዝጠፍአ ናይ ሽዑ ጸብጻባት ይጠቕሱ።እስራኤል ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ናይ ኢራን

ከም ዝነበሮ ክትከስስ እንከላ፡ ኢራን ግን ነጺጋቶ።ኣብ ኣርጀንቲና ነቲ ጉዳይ ከጻሪ መዝነት

ዝተዋህቦ ፖለቲከኛ ኣብ 2015 ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ተቐቲሉ ምጽንሑ’ዩ ዝግለጽ።

ምስ ሰበ-ስልጣን ኢራን ምስጢራዊ ውዕል ብምግባር እቲ መጥቃዕቲ ደቂቕ ምጽራያት ከይግበረሉ ከም ዝኸልከሉ ዝኽሰሱ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ኣርጀንቲና ነበር፡ ገበነኛታት ኰይኖም ምስ ዝርከቡ ብናይ ነዊሕ ዓመት ማእሰርቲ ክቕጽዑ ከም ዝኽእሉ’ዮም ኣኽበርቲ ሕጊ’ታ ሃገር ዝገልጹ።

ሰሜን ኮርያ ኑክሌሳዊ ፈተነ ንግዚኡ ደው ከተብል ተሰማሚዓ ምህላዋ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደ ላዕለዋይ ልኡኽ ደቡብ ኮርያ ገሊጹ።ኣማኻሪ ጸጥታ ደቡብ ኮርያ ቻንግ ኡይ

ዮንግ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናብ ፒዮንግያንግ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ። ኣብ ርክብ ክልቲኦም ወገናት፡ ሰሜን ኮርያ ጸጥታዊ ውሕሰነት ምስ ዝወሃባ ኑክሌሳዊ ፈተነታት ደው ከተብሎ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐት ኣረዲኡ። ዝመጽእ ሚያዝያ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብኣካል ተራኺቦም ክዘራረቡ ተወጢኑ ምህላዉ ድማ ኣፍሊጡ።ናብ ሰሜን ኮርያ ናይ ክልተ መዓልቲ

ምብጻሕ ዘካየደ ላዕለዋይ ልኡኽ ደቡብ

ሰሜን ኮርያ ኑክሌሳዊ ፈተነ ደው ከተብል ተሰማሚዓ

ኮርያ ኣብ ፒዮንግያንግ ምስ መራሒ’ታ ሃገር ኪም ዮንግ ኡን ተራኺቡ፡ እወታዊ ዝርርብ ከም ዘካየደ’ዩ ዝገልጽ።ሰሜን ኮርያ ካብ መእተዊ ናይዚ ዓመት’ዚ

ጀሚራ ምስ ደቡብ ኮርያ ንዝጸንሓ ወጥሪ ዝኣሊ ሃናጺ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከፊታ ምህላዋ ይፍለጥ። እታ ወናኒት ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዝዀነት ሃገር ምስ ኣመሪካ’ውን ክትዘራረብ ድልውቲ ከም ዝዀነት’ያ ተነጽር። እንተዀነ ኣመሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ተካይዶ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ካብ ልቢ ዝብገስ ዘይኰነ ግዜ ንምሽማት እትኽተሎ ዘላ ሜላ ምዃና’ያ ትኸስስ። ኣቐዲማ ኑክሌሳዊ ኣጽዋራታ ክሳብ ዘየዕነወት ድማ ንዝርርብ ቅርብቲ ከም ዘይኰነት’ያ ትገልጽ።

ፕረዚደንት ላይበርያ ጆርጅ ዊያ፡ ሃገሩ ብሕዋሕዲ መምህራን ትሳቐ ብምህላዋ፡ ካብ ጐረቤት ሃገር ናይጀርያ 6 ሽሕ ብቑዓት መምህራን ክቖጽር ከም ዝደሊ ገሊጹ።ፕረዚደንት ዊያ፡ ብቕዓት ስርዓተ-

ትምህርቲ ላይበርያ ንምጉልባት ቀዳምነታት ሂቡ ከም ዝሰርሐሉ’ዩ ደጋጊሙ ዝገልጽ። ስልጣን መሪሕነት

“ናይጀርያውያን መምህራን የድልዩኒ ኣለዉ” ጆርጅ ዊያ

ድሕሪ ምሓዙ ድማ ናይ ፈለማ ጉዕዞኡ ናብ ናይጀርያ ብምግባር ምስ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ማሕማዱ ቡሃሪ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ከም እተዘራረበ ተፈሊጡ።ኣብ ኣቡጃ ዝርከብ ፕረዚደንት

ላይበርያ ጆርጅ ዊያ፡ ሃገሩ እኹል ባጀት ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ ካብ ናይጀርያ ሓገዛት ክግበረሉ’ዩ ዝሓትት ዘሎ። ቁጠባ ሃገሩ ኣብ ምብርባር ናይጀርያ ዝለዓለ ተራ ክትጻወት

ዝጸወዐ ጆርጅ ዊያ፡ ናይጀርያውያን ሰብ ርእሰ ማል ኣብ ላይበርያ ኣብ መዳያት ህንጻ፡ ሕርሻን ጸዓትን ወፍርታቶም ክገብሩ ምቹእ ባይታ ከም ዝፈጥር ገሊጹ።ኣቐዲሙ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ

ዝነበረ ጆርጅ ዊያ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ላይበርያ ከም ዝሰዓረ ዝፍለጥ እዩ።

ጀሚሩ ኣብ ብሪጣንያ ተዓቚቡ ከም ዝጸንሐ ድማ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።ሰብ ሞያ ሕክምና ብሪጣንያ፡ ኣብ

ኣካላት ናይቶም ሩስያውያን ዕንወት ዘስዕብ ዘሎ ዓይነት መርዚ ንምፍላጡ ጻዕሪ የካይዱ ምህላዎም’ዮም ዝገልጹ። ዛጊት ንምድሓኖም ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት ግን ለውጢ ከምጽእ ከም ዘይከኣለ’ዮም ዘረድኡ።ካብ ሩስያ ሃዲሙ ኣብ ብሪጣንያ ክነብር

ዝጸንሐ ሩስያዊ ‘ሰርጌ ስክሪፓል’ ኣቐዲሙ ኣብ ትካል ስለያ ሩስያ ይሰርሕ ብምንባሩ ብመንግስቲ ሩስያ ዝድለ ዓይነት ሰብ ክኸውን ከም ዝኽእል’ዮም ምንጭታት ብሪጣንያ ዝገልጹ ዘለዉ። እንተዀነ ሩስያ ነቲ ፍጻመ ንምምርማር ካብ ብሪጣንያ ወግዓዊ ሕቶ እንተቐሪቡላ ንኽትተሓባበር ድልውቲ ምዃና ብምግላጽ ነቲ ብማዕከናት ዜና ብሪጣንያ ዝወሃብ ዘሎ ግምታት ኰኒናቶ። ብሪጣንያውያን መርመርቲ፡ እቲ ፍጻመ ምስቲ ኣብ 2006 ዝተፈጸመ ምስማም ሩስያዊ ሰላዪ ነበር ኣሌክሳንደር ሊትቭይነንኮ ዝተኣሳሰር እንተዀይኑ መርመራታት የካይድ ምህላዉ ፖሊስ ብሪጣንያ ገሊጹ። ብሪጣንያ፡ ኣሌክሳንደር ሊትቭይነንኮ ብፖለንየም ዝተባህለ ባእታ ብሩስያ ተሰሚሙ ከም ዝሞተ’ያ ትኸስስ።ብብሪጣንያ ወትሩ ውንጀላታት ከም

ዝቐርበላ እትገልጽ ሩስያ ብወገና፡ እታ ሃገር ህዉኽ መደምደምታ ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ኣጠንቂቓ።