2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf ·...

12
መበል 23 ዓመት ቁ. 14 14 መሰከረም 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ገጽ 3 “ግዳይ ዝተወደበ ፍልሰት ሰብ ዝኾኑ ኤርትራውያን. . .” ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገጽ 8 በዓል ወጻኢ ገጽ 9 “ግዳይ ዝተወደበ ፍልሰት ሰብ ዝኾኑ ኤርትራውያን. . .” ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገጽ 4 “ክህሉወልኪ እየ...!” 2013 ቀዳም ሚኒስተር ዑስማን መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ኣልበሺር ኣብጺሑ ኣምባሳደር መሓመድ ዑመር ማሕሙድ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ንጉስ ስዑዲ- ዓረብ ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝ ብ12 መስከረም ኣብጺሑ። መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ምሕያል ዝምድና ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብን ከምኡ’ውን ንኽልቲኤን ሃገራት ዘገድሱ ዞባዊ ጉዳያት ዝምልከት ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንንጉስ ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝ ምሉእ ጥዕና ንህዝቢ’ታ ሃገር ድማ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ። ንጉስ ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝ ብወገኑ፡ ንኣገዳስነት ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ሃገሩን ብምጥቃስ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዩ። ኣምባሳደር መሓመድ ዑመር መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ዓብደላ ኣብጺሑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሺር ኣብጺሑ። መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጐ ክልተአን ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ቀጻሊ ምምኽኻር ኮይኑ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ዘተኰረ’ዩ። ብ11 መስከረም ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኣልበሺር፡ ንተገዳስነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህልው ኩነታትን ጉዳያትን ሱዳን ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ምዕዛዝ ንረብሓ ክልተአን ሃገራትን ህዝብታተንን ከምዝኾነ ገሊጹ። እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ዓሊ ዑስማን መሓመድ ጣሃ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ኤርትራን ሱዳንን ነቲ ዞባ ኣብነት ሽርክነት ብዝኸውን ኣገባብ ንምድንፍዑ ከምእተሰማምዑ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ምኽትል ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ዓሊ ዑስማን መሓመድ ጣሃ ወሲኹ፡ ንተራ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ሰላም ሱዳን ብምምጓስ፡ ውህደት ኤርትራን ሱዳንን ክልተኣዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያት ነቲ ዘሎ ታሪኻውን ህዝባውን ዝምድና ዝድርዕ ከምዝኾነ ኣብሪሁ። ***

Upload: others

Post on 19-Oct-2020

1 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

መበል 23 ዓመት ቁ. 14 14 መሰከረም 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 10

መድሃኒት ጸረ-ባልዕ

ገጽ 3

“ግዳይ ዝተወደበ ፍልሰት ሰብ ዝኾኑ ኤርትራውያን. . .” ፕረዚደንት ኢሳይያስ

²Ãö 3

ገጽ 8

በዓል ወጻኢ

ገጽ 9

“ግዳይ ዝተወደበ ፍልሰት ሰብ ዝኾኑ ኤርትራውያን. . .” ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ገጽ 4“ክህሉወልኪ እየ...!”

2013

ቀዳም

ሚኒስተር ዑስማን መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ኣልበሺር

ኣብጺሑ

ኣምባሳደር መሓመድ ዑመር ማሕሙድ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ንጉስ ስዑዲ-ዓረብ ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝ ብ12 መስከረም ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ምሕያል ዝምድና ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብን ከምኡ’ውን ንኽልቲኤን ሃገራት ዘገድሱ ዞባዊ ጉዳያት ዝምልከት ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንንጉስ ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝ ምሉእ ጥዕና ንህዝቢ’ታ ሃገር ድማ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።

ንጉስ ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝ ብወገኑ፡ ንኣገዳስነት ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ሃገሩን ብምጥቃስ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዩ።

ኣምባሳደር መሓመድ ዑመር መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ዓብደላ ኣብጺሑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሺር ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጐ ክልተአን ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ቀጻሊ ምምኽኻር ኮይኑ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ዘተኰረ’ዩ።

ብ11 መስከረም ኣብ ካርቱም

ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኣልበሺር፡ ንተገዳስነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህልው ኩነታትን ጉዳያትን ሱዳን ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ምዕዛዝ ንረብሓ ክልተአን ሃገራትን ህዝብታተንን ከምዝኾነ ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ዓሊ ዑስማን መሓመድ ጣሃ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ኤርትራን ሱዳንን ነቲ ዞባ ኣብነት

ሽርክነት ብዝኸውን ኣገባብ ንምድንፍዑ ከምእተሰማምዑ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ምኽትል ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ዓሊ ዑስማን መሓመድ ጣሃ ወሲኹ፡ ንተራ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ሰላም ሱዳን ብምምጓስ፡ ውህደት ኤርትራን ሱዳንን ክልተኣዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያት ነቲ ዘሎ ታሪኻውን ህዝባውን ዝምድና ዝድርዕ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

***

Page 2: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 2

09፡00 መደብ ህጻናት ሪምና09፡30 ምኽሪ ሞያውያን10፡20 ተኸታታሊት ፊልም ዒሳ11፡00 ዘተ ስፖርት ብቐጥታ11፡45 hot tracks12፡30 ዜና ብትግርኛ12፡50 ቃ/መ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 5ይ ክፋል13፡30 ዜና ብዓረብ13፡45 ዕላል ጥበባት14፡20 ናትራን16፡25 ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ17፡40 ኣልመልፍ ኣልእስቡዒ18፡15 ፍኖተ ልኡኻት = ወፍሪ19፡00 ዜና ትግረ19፡20 ዳረት ቃና19፡45 ዜና ዓረብ20፡00 ደሃይ ደቂ ሓደ ልቢ21፡00 ዜና ብትግርኛ21፡25 ቃ/መ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 7ይ ክፋል22፡15 ዜና ብእንግሊዝ22፡30 in focus23፡00 film

12፡00 documentary film12፡30 ዜና ብትግርኛ12፡50 ቃ/መ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 7ይ ክፋል13፡30 ዜና ብዓረብ13፡50 ደሃይ ደቂ ሓደ ልቢ14፡20 ፓኖራማ14፡55 doc film15፡35 sport highlights16፡10 ኣብዚ ሰሙን’ዚ

09፡00 መደብ ህጻናት ዋሪ09፡30 መደብ ህጻናት ሪምና10፡05 ሄሎ ደባይዋ11፡40 ፓኖራማ12፡15 ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ ብቐጥታ13፡30 መኣዲ ስነጥበባት14፡05 መደብ ሞዛይክ16፡18 ኣብዚ ሰሙን’ዚ17፡35 መደብ ህርመት19፡00 ዜና ትግረ19፡20 ተኸታታሊት ፊልም ዓሲ20፡00 ዜና ብዓረብ20፡20 ቃ/መ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 7ይ ክፋል21፡00 ዜና ብትግርኛ21፡30 ድባብ ብቐጥታ22፡30 ዜና ብእንግሊዝ22፡45 erispora23፡35 film

16፡45 perspective17፡20 x-files18፡05 media offline18፡30 ዋሪ19፡00 ዜና ትግረ19፡20 ጉዳይ ኣብ ዘተ20:00 ዜና ዓረብ20:25 ቃ/መ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 7ይ ክፋል21:00 ዜና ትግርኛ21:25 ማእገር22:15 ዜና እንግሊዝ22:30 News Highlights22:55 Film

ሰኑይ

ሰንበት

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ኤደን ሃብትኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ሳምራዊት መለስኤደን ዘርእጋብር

እዩ። ስለምንታይ ኢና፡ ኣብ ዞባና ናይ ኩለን ሃገራት፡ ናይ ኩሎም ህዝብታት ምምልላእን ምትሕግጋዝን’ዩ፡ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ወይ ሕርያ ንብል? ሕርያ ሃገራዊ ድሕነት ወይ ፖሊሲ ሃገራዊ ድሕነት ብኸባቢ ደኣ’ምበር ባዕልኻ ትውስኖ ኣይኰነን። ምናልባት ንድሕሪት ተመሊስና ቅድሚ ናጽነት ወይ ቅድሚ ሓርነት ዝነበረ ኩነታት ናይ ዓለም፡ ኣብ ዞባና እንታይ ይመስል ነይሩ? እንታይ ሕርያታት ነይሮምና? ከመይ ገይርናኸ ኣብ’ቲ ክንበጽሖ እንደሊ በጺሕና? ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። እዚ ብናይ ግዜ መለክዒታት እንተ ርኢናዮ ሓርነታዊ ቃልሲ ተዓዊቱ ኣብ መዕለቢኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብዓለምን ብዞባን ደረጃ ዝተራእዩ ወይ ዝተኸስቱ ምቅይያራት ነይሮም። ተስዓ- ተስዓን ሓደን ክልተ ‘ፖላር’ (ቁጥቢ) ወይ ናይ ምብራቕን ምዕራብን ደምበ ዘብቃዓሉ ዘመን’ዩ ነይሩ። እዚ ሕጂ ዝብሎ ዘለኹ ሕርያ ነቲ ዝመጸ ምዕባለታት ገምጊምካ እቲ ተመኩሮ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ፡ ኤርትራ ናጻ ኰይና፡ ኣብ ሶማል ለውጢ መጺኡ፡ ኢትዮጵያ’ውን ሓራ ዀይና፣ ኣብ ‘89 እውን ኣብ ሱዳን ዝመጸ ለውጢ ነይሩ። ኩሉ እዚ ክስተታት እዚ ብዞባ ደረጃ ክንርእዮ ከለና፡ እቲ ርኡይ

“ግዳይ ዝተወደበ ፍልሰት ሰብ ዝኾኑ ኤርትራውያን. . .”

ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ካብ 9ይ ገጽ ዝቐጸለ ዕድላት ንኹሎም ህዝብታት ናይዚ ዞባ’ዚ ንጹር ኰይኑ ተራእዩ ነይሩ። ካብ ዘመን ዝሑል ኲናት ወጺእና ሓደስቲ ክስተታት ስለ ዝተፈጥሩ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ወይ ሕርያ፡ ኩሎም እዚ ዕድል ዘጋጠሞም ህዝብታት ኣብ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ካልኦት ዝተፈላለየ ጽላታትን ምትሕግጋዝ ንኽገብሩ ጽቡቕ ዕድል’ዩ ተባሂሉ። ሽዑ እዚ ሕጂ ከም ቀዋሚ መማእዘኒ ንሰርሓሉ ዘለና ፖሊሲና ቅድሚ ምኽታም ዝሑል ኲናት’ውን ነይሩ’ዩ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስና ክንርእዮ ከለና፡ ዓይነት ኩነት ዓለማዊ ስርዓት ኣይኰነን። ምንኽንያቱ ብተመኩሮና ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። መን’ዩ ኣብ ሕብረት ሶቬት ነበር ዝጻብኣና ዝነበረ፣ ኣብ ዘበነ ሃይለስላሰ፡ ኣብ ዘበነ ደርግኸ መን’ዩ ዝጻብኣና ዝነበረ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ኣብኡ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓገዝ ንጹር እዩ። ብተመኩሮ ከኣ ንዕኡ ሰጊርና መጺእና። ኣብ’ዞም ዕስራ ዓመታት ዝሓለፉ ተርእዮታት ክንግምግም እንተ ዄንና እቲ መቓን’ውን ክንግምግሞ ኣለና። ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፡ ሓደ ናይ ቁጠባ ወይ ናይ መዓስከር ዓብላልነት ኣብ ዝተቐልቀለሉ ኣጋጣሚ’ዩ ብዋሽንግቶን ዝምራሕ ሓደ ቁጥባዊ ሓይሊ ዝተቐልቀለ።

ይቕጽል

ፈስቲቫል ስፖርት ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን። ብ7 መስከረም ኣብ ከተማ ካይዘርስላውተርን ብውዕውዕ ስፖርታውን ሃገራውን መንፈስ ከምእተኻየደ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።ኣብ’ዚ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም

ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዝካየድ ስፖርታዊ ውድድር፡ ሎሚ ዓመት ብርክት ዝበላ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝመጻ ናይ ቈልዑ፡ መንእሰያትን ዓበይትን ጋንታታት ከምእተሳተፋ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣብሪሁ።

ፈስቲቫል ስፖርት ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን ብልዑል ወኒ ተኻዪዱ

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ኣብ’ቲ ስፖርታዊ ፈስቲቫል ብኣካል ብምስታፍ። ንዕውታት ጋንታታት ዋንጫታት ዓዲሉ።ኣብ’ዚ ስፖርታዊ ፈስቲቫል፡ ከምቲ

ልሙድ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ገዳይም ስፖርታውያን ክሳተፉ እንከለው። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስፖርታውያን ኣብ ዝለኣኽዎ ናይ ደገፍ መልእኽቲ። ኣብ 2014 ኣብ ዝካየድ ስፖርታዊ ፈስቲቫል ክሳተፉ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።ብድሕሪ’ዚ። ተሳተፍቲ ኣብ’ቲ

ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ዝኽሪ መበል 52 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ጽንብል ከምእተሳተፉ፡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።ፈስቲቫል ስፖርት ኤርትራዉያን

ነበርቲ ጀርመን ካብ ዝጅምር 7 ዓመት ገይሩ’ኳ እንተሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ቅልጡፍ ምዕባለ ከምዘርኣየ’ዮም ወደብቱ ዝሕብሩ።ዕላማ ናይዚ ዓመታዊ ፍጻመ፡

ንገዳይም ስፖርታዉያን ጠርኒፍካ ተመኵሮታትን ታሪኽን ስፖርት ኤርትራ ናብ ሓድሽ ወለዶ ብምስግጋር። ተወዳደርቲ ስፖርታዉያን ብምምልማል ሓያል ኤርትራዊ ስፖርታዊ ኮም ንምምስራት’ዩ።

ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ደንጕዩ ንዝጀመረ ክረምቲ ኣብ ግቡእ መዓላ ንምውዓል ብትግሃት ስለዝነጥፉ፡ ኣብ

ደረጃ ጉስያን ምምዓጒን ዝበጽሐ ኣእካሎም ኣብ ቆፎኡ ክሳብ ዝኣቱ ምክትታሎምን ምክንኻኖምን ብዝለዓለ

ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፣ ነባሪ ምምሕዳር ከባቢ ኮና ኣቶ ማሶ

ደቢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። ክራማት ደንጒዩ ብምጅማሩ ዝነበሮም ስክፍታ በቲ ካብ መጀመርያ ወርሒ ነሓሰ ዝቐጸለ ጽቡቕ መጠንን ዝርግሐን ዝነበሮ ዝናብ ከምእተቐንጠጠ ብምሕባር። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ መብዛሕትኡ ኣእካሎም ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዝበጽሐ ገሊጹ፣ ካብ ምምሕዳር ከባቢ ኩሉኩ ኣቶ

ግርማይ ተስፋይ ብወገኑ። ዝናብ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብዝተወሃሃደ ኣገባብ መሬቶም ሳላ ዝሓረሱ መብዛሓትኡ ዘራእቶም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎ ጠቒሱ። ብዝተፋላለዩ ባልዓት። ሓሳኹን ጻህያይን ከይህሰ ግቡእ ክንክንን ምክትታልን ይገብሩሉ ከምዘለዉ ኣብሪሁ፣ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዳሰ ኣቶ

ሸዊት ፋዲን ኣቶ ኡዱ መኪኒን ድማ። ዛጊት ዘራእቲ ኮነ መግሃጫ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ ብምምልካት። ጽቡቕ እቶት ክረኽቡ ምእንቲ፡ ናይ ጻህያይ ኮነ ጉስያ ንጥፈታት ብወፈራዊ ኣገባብ ይዓምዎ ከምዘለዉ ሓቢሮም፣ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ንኡስ ዞባ

ባረንቱ ብዘመናውን ያታውን ኣገባብ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ሄክታር ተሓሪሱ ከምዘሎ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ናይቲ ንኡስ ዞባ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት፣

ሓረስቶት ባረንቱ ኣብ ምክትታል ምህርቶም ኣበርቲዖም ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም

Page 3: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 3

ዕማም ምውዳብን ምዕጣቕን ዜጋታት ብዝሰፍሐ ክትግበር ጸኒሑ ኣሎ። ንጥፈታት ህዝባዊ ሰራዊት ምስ ቁጠባዊ ዕማማትን መንብሮ ህዝብን ከምኡ’ውን ምስ ንጥፈታት ትካላት መንግስቲ ንምጥዕዓሙ ኣብ ኣፍራይነት ሃስያ ከም ዘይወርድ ጌርካ ንምሓዙ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?

ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ ሃገር’ዩ። ነዚ መተካእታ ክረኽበሉ እኽእል’የ ዝብለኒ ሰብ እንድሕር ኣሎ ዀይኑ፡ ካብ ታሪኽ ዘይተማህረ ጥራይ እዩ። ከም’ቲ ኣብ’ዚ ጎደቦና ይኹን ከባቢና ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝረኣናዮ ድሌታት ድማ፡ ነዚ መሰረታዊ ህላዌና ዘረጋገጸ፡ ቅርስና ዘማዕበለ ናብ’ዚ ንኽንበጽሕ’ውን ዘኽኣለና ባህሊ ወይ ‘ዶክትሪን’ ኣብ ጸግዒ ክድርብዮ’የ፣ ኣይጠቅምን’ዩ ዝብል ሰብ እንድሕር ኣሎ ዀይኑ፡ ብዙሕ ዘይርድኦ ጥራይ እየ ክብሎ ዝደሊ። ዝሓለፉ ናይ ወራራትን ናይ ዶብ ጸገምን ርኢናዮ ኢና። ኣብ ገለ ገለ እዋናት ዝተፈላለዩ እዋናውያን ዕማማት ስለ ዝውጥጡኻ፡ ነቲ ቀንዲ ክትገብሮ ዘለካ ጉዳይ ትርስዕ ኢኻ። ውግእ ጥራይ ዘይኰነ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር፡ ህዝቢ ብኣእምሮን ብኣካልን እንተ ዘይዓጢቑሉ ኣይሰርሕን’ዩ። ነዚ ዘይደሊ ኣሎ እንድሕር ኰይኑ፡ ምናልባት ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጀንዳታት ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ክሳብ ሕጂ ወንዚፍናዮ ኢና ጸኒሕና። ናይ ደቂንስትዮ ተሳታፍነት’ውን ኣዳኺምናዮ ኢና ጸኒሕና። ወላ እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል’ውን ከም ግቡእ ኣይሰራሕናሉን። ትምህርቲ ይኹን ካልእ ዝተፈላለየ ሞያ ከይኩለፍ ምእንቲ፡ ብፍላይ መንእሰይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ኣምር ጥራይ ይውሰዶ እምበር፡ ናይ ግድን ኣብ ሰራዊት ወይ ኣብ ግንባራት ክኸይድ የብሉን ተባሂሉ ተዋዲቑ። ናይ ማሞስ (ማእከል ሞያዊ ስልጠና) መደባት ብምትእትታው ዝተፈላለየ ሞያውን ትምህርታውን መደባት ከነካይድ ጸኒሕና። ኣብ ነንበይኖም ጽላታት ከነተኣታትዎም ዝጸናሕና መደባት’ውን ሰራዊት ይካፈሎም ኣሎ። ሓይልታት ምክልኻል፡ መድፍዕ፡ ታንክታት፡ ኣየርን ጸረ ኣየርን ዝኽእል ጥራይ ኣይኰነን። ህዝቢ’ዩ ሰራዊት። ስለ’ዚ ንኹሉ ዝጸንሓና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝተደረኸ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ምስ መድረኽ ብዝኸይድ ውዳበ ከነበራብሮ ክንክእል ኣለና። እቲ ዘዋጽኣናን ዝሰርሓልናን ‘ዶክትሪን’ ነተግብሮ። ሰለስተ ግንባራት ኣለና። ምስ

ተመኩሮናን ኣካይዳናን እቲ ቀዋሚ ግንባራት ኣብ ቦታኡ እናሃለወ፡ ዝዀነ ሓደጋ እንተ መጸ በተግ ኢሉ ክረድእ ዝኽእል ተወርዋሪ ዝበሃል፡

ውዱብ ሓይሊ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ህዝቢ ካብ ልምዓታዊ መደባቱ ከይተሰናኸለ፡ ካብ መዓልታዊ ሂወቱን ንጥፈታቱን ከይተመዛበለ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነ እዋናትን ኩነታትን ክሰርሕ ምእንቲ ዕቁር ሓይሊ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ከም’ቲ ብፍልስፍናን ብፖለቲካዊ ገምጋምን ዝብልዎ ዘይኰነ፡ ንዓይ ብደረጃ ዓለም ዝሓየለ ሰራዊት

ናይ መን እዩ እንድሕር ኢልካኒ፡ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኩነት ትርጉም ከይሃብኩ ናይ እስራኤል ሰራዊት’ዩ ሓያል እየ ዝብል። ስለ ምንታይ እንተ ኢልና፡ ናቱ ታሪኽን ኣመጻጽኣን ኣለዎ። እቲ ምዱብ ዝበሃል ናይ እስራኤል ሰራዊት ካብ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣይሓልፍን’ዩ። እቲ ዘይምዱብ ዝብልዎ ድማ፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ’ዩ። ኩሉ ኹሉ ደሚርካ ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ’ዩ። እዚ ሓይሊ’ዚ፡ ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚታትን እዋንን ዝሰርሕ’ዩ። ይትረፍዶ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዘለዉ ዜጋታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዘለዉ እስራኤላውያን’ውን ኣብ’ዚ መደብ’ዚ እቱዋት’ዮም። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ካልእ ዝተፈላለየ ሃገር ከኣ፡ ህዝቢ ከይዓጠቐ ንበይኑ ምዱብ ሰራዊት ጥራይ ተንጠልጢሉ ኣይነብርን’ዩ። ንዓና ድማ ሓድሽ ነገር ስለ ዘይኰነ፡ ክነጣጠፍን ክሕይልን ኣለዎ። ወላ እቲ ቅርስና ዝዀነ ኣስማት እናቐያየርና ወይ ቀዳምነታት እናሰራዕና ክንከይድ ንኽእል ኢና። ቅርስና ገዲፍና ዘየድለየና ካልእ ስራሕ ክንሰርሕ ስለ ዘይንኽእል፡ ብኡኡ ድማ ስለ ዝቐጸልና፡ ናይ ብሓቂ ውጽኢቱ ተራእዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ክሳተፍ ክኢሉ። እዚ ሓድሽ ፍልስፍና፡ ሓድሽ ስራሕ፡ ሓድሽ ኣካይዳ ኰይኑ ዘይኰነ፡ ነቲ እንሰርሓሉ ኢና ኣበራቢርናዮ። ከም’ቲ እንደልዮ ይሰርሕ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ዝተረፈና ብዙሕ ናይ ምውዳብን ካልኦትን ዕማማት

ኣሎ። ንኹሉ ተኽእሎታት ክገጥም ዝኽእል ንቑሕ ህዝባዊ ሰራዊት ንምውዳብ ገና ግዜ ዝወስድ’ዩ። ኣካላውን ካልኦት ምቅርራባትን ዝሓትት ስለ ዝዀነ ከምኡ’ውን ነባሪ ውሕስነት ከም ዝህልወካ ዝገብር ስለ ዝዀነ፡ ካብ’ቲ ዛሕቲልዎ ዝጸንሐ ኩነት ከም ዝምዕብልን ዝሕይልን ምግባር’ዩ። ካብ ስግኣት ወይ ካልእ ጸገማት ዝመጸ

ዘይኰነ፡ ቅርስን ባህልን ክትዕቅቦ ስለ ዘለካ’ውን እዩ። ወላ ነቲ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ዝተኣሳሰረ ሕቶታት’ውን ነዚ ጉዳይ እዚ ሰጊርካ ክትሓስበሉ ዝከኣል ኣይኰነን። ወታሃደራዊ ዓቕሚ ብብዝሒ ነፈርቲ፡ መዳፍዕ፡ ታንክታት እዩ ዝዕቀን ዝብል ሰብ እንድሕሪ ሃልዩ፡ ካብ ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ ተበጊሰ ታሪኽ ዘየንበበ ጥራይ’ዩ እየ ዝብሎ። ሓይሊ ህዝብን ሃገርን ሓይሊ ናይ ምክልኻልን ሓድሽ ‘ኣስኳላን’ ሓድሽ ፍልስፍናን ኣይኮነን ንዓና። ኣብ ልምዓታዊ መደባት ንኽሳተፍ ዘብቅዖ ኣወዳድባ መሳለጥያን ዝሓዘ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዝበለጸ ውጽኢቱ ድማ ንኹሉ ህዝቢ ስለ ዘሳትፍ’ዩ። ብዕድመ፡ ጾታ፡ ቦታን ዝተፈላለየ ካልኦት ረቛሒታትን ዘይፈሊ ተሳትፎ ዝገብር ሰራዊት ክህሉ ኣለዎ። ኣብ ኣወዳድባ፡ ኣሰራርሓ፡ ኣሳልጦ፡ ዕጥቂ ድማ እናዓበየ ክኸይድ ኣለዎ።

ክቡር ፕረዚደንት - ናብ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ጉዳያት ክንሰግር። ብይን እገዳ ባይቶ ጸጥታ፡ ዕርቃኑ ተቓሊዑ፡ ሓሊቑ ከሎ ይቕጽል ኣሎ። ስለምንታይ? ጽልውኡኸ ብኸመይ ይግምገም? እቲ እገዳ ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ጽልዋን ምዕባለታቱን ብልክዕ ክትገልጸልና። ምስ’ዚ ናይ እገዳ ብዝተኣሳሰር’ውን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ናብ ስድራቤቱ ዝሕውሎ ገንዘብ ናይ ምዕጋት ዘመተታት ይካየድ ኣሎ። ነዚ ንምብርዓን ክካየድ ዘለዎ

ህዝባዊ፡ ሕጋውን ዲፕሎማሲያውን መኸተ ኣመልኪትካ እንታይ ትብለና?

ዕርቃኑ ተቓሊዕ’ዩ፡ ክብል ከለኹ ብዙሕ ኣርእስትታት ክለዓል ይኽእል’ዩ። ኣብ ውሽጢ መቓን ክትርእዮ ከለኻ ግን፡ ንዓና ስለ ዝትንክፈና ኣጋኒንና ክንዛረበሉ ንኽእል ንኸውን። ግን ካብኡ ዝኸፍአ፡ ዘሕፍር ንፍትሕን ንሓቂን

ዝቐብር እገዳታት ተገይሩ’ዩ ኣይብልን ኣነ። ምናልባት ንድሕሪት ናብ ታሪኽ ተመሊስና ክንርኢ ንኽእል ኢና። ዋና ዕላማኡ እንታይ ከም ዝነበረ’ውን ሕጂ ምድጋም ዘድልዮ ኣይኰነን። ንሕና ነቲ ውሳኔ ኣይተቐበልናዮን፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት’ውን ክንቅበሎ ኣይኰንናን። ስለ ዝትንክፈና ወይ ስለ ዝሃስየና ዘይኰስነ ብስሩ’ውን ሕጋዊ ተቐባልነት ስለ ዘይብሉ’ዩ። ብዝተተፈላለየ ናይ ሽርሒ መደባት ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ይኹን ጸጥታዊ ሸርሕታት ክንጽብጽቦ ንኽእል ኢና። እዚ ሓደ ክፋሉ እዩ። ንጸጋታት ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ንምብትታን መልክዕ እናቐየረ ብቐጻሊ ዝኸይድ ፈተነ ድማ ካልእ ክፋል ናይ’ቲ ፕሮግራም’ዩ። ሳልሳይ ክፋሉ ብቐንዱ ኣብ ቑጠባ ዝዀነ ኣታዊታት ከም ዘይርከብ፡ ልምዓት ደው ከም ዝብል፡ ኮታ ብኹሉ መልክዓቱ ቁጠባዊ ዕንወት ንምውራድ’ዩ። ካብ ዕደና ወርቂ ጀሚርካ ክሳብ ሓዋላ ደው ከብሉ’ዩ ትምኒቶም። እቲ ዝሕውል ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዜጋ፡ ሰሪሑ ርሂጹ ደኣ’ምበር ብልግሲ ዘምጸኦ ገንዘብ ኣይኰነን። ኣብ ዝዀነ ከባቢ ናይ ዓለም፡ ዝዀነ ሰብ ሰሪሑ መሰሉ ክረክብ ግቡኡ’ዩ። ነቲ ዝረኸቦ ገንዘብ ከኣ፡ ኣብ ዝደለዮ ከውዕሎ ክኽእል ኣለዎ። ንቑጠባ ይሕግዝ’ዩ ኢልካ ክዝረብ ይከኣል ይኸውን። ክሳብ ክንደይ እዩ ግን ገዚፍ? ኣብ ዜና ክንዛረበሉ ኣይደለናን፣ ኣብኡ ኸሎ ንሕለፎ ኢልና። ናይ

እገዳ ፈተነታት ተገይሩ። ‘ረሚታንስ’ (ሓዋላ)፡ ወላ እዘን ነእትወን ዘለና መካይን “ኣብ ኣገልግሎት ክውዕላ ስለ ዝዀና ክኽልከላ ኣለወን” ኢሎም። ጭንቀትቶምን ፍሽለቶምን እናተዋህለለ ምስ መጸ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሕሱር መገዲ ኣትዮም ምህላዎም ተቓሊዖም፡ ዕርቃኖም ወጺኦም ማለት’ዩ። ዓሚ “ኣጽዋር ዝጸዓነት ነፋሪት

ካብ ኤርትራ ናብ ሶማል ኣትያ” ክብሉ ኣብ ሕልሚ’ውን ዘይተራእየ ‘ፋንታስያ’ ክምህዙ ሃቂኖም። መዓልቲ መዓልቲ ‘ፋብሪከይት’ ጌርካ (ዘየለ ነገር መስሪሕካ) ዝግበር ሽርሕታት መወዳእታ የብሉን። እገዳ እናኸረረ ዕላምኡ ክወቅዕ ምእንቲ፡ ህዝቢ፡ ንመንእሰያት ንምድንጋርን ሓድነት መንእሰያት ንምብትታንን ዘይገብርዎ የብሎምን። ገለ ዓወት ረኺቦም ክዀኑ ይኽእሉ ይዀኑ። ገለ ዝተበታተነ መንእሰይ ርእዮም ይዀኑ። ከም’ቲ ዝደለይዎ ግን ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ብስም ‘ሂዩማን ራይት’ (መሰል ደቂ ሰብ) ዝብልዎ፡ ዝሃቀንዎ ዘርጊ ናይ ምእታው ፈተነታት ዕርቃኑ ወጺኡ። ሎሚ ኣእዛኑ ከፊቱ ዝሰምዖም የለን። በቃ ኣብቂዑ! በዚ ሓሶሶት’ዚ ጸሚምና። ሓቅነት ኣለዎ ክብል ዝኽእል የለን። ኣብ’ዛ መወዳእታ ዝቐረበ ናይ እገዳ ኣንፈት ብዙሓት ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ነጺገንኦ። ተዛሪበን ዘይፈልጣ ሃገራት’ውን ብድፍረት ተዛሪበን። ስለ’ዚ ዕራቃኑ ወጺኡ ጥራይ ዘይኰነ እናንቆልቆለ ይኸይድ ኣሎ። ሕጂ እቲ መሰረት ዘይነበሮ ጠቐነ ከይለዓል ምእንቲ’የን ጻዕሪ ዝገብራ ዘለዋ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ውሳነ “ብጌጋ ወይ ከይፈለጥኩ ተቐቢለዮ” ዝብላን ዝጠዓሳን እንተ ዘይኰይነን መሲሉና ተቐቢልናዮ ዝብላ ኣባላት’ውን የለዋን። ኣብ መወዳእታ ዕርቃኑ ወጺኡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሕጂ ዘሎ ቃልሲ እቲ መጎት ይለዓልን ኣይለዓልን’ዩ ዘሎ ክንብል ንኽእል። ምናልባት ምስ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ናይ’ዚ ከባቢ ናይ ወያነ ክለዓል ይኽእል ይኸውን፣ ግን ካልኦት ጉዳያት ይዕብልሉዎ ኣለዉ ክንብል ንኽእል ኢና። እዚ ተጻብኦታት’ዚ ብመቓን ኣብ ዓለም ዘሎ ለውጥታት፡ ኣብ ዞባና ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ክትርእዮ ከለኻ፡ ካብ’ቲ ዝጀመረሉ ካብ 2009 ክሳብ ሕጂ ሃስያ ኣየውረደን ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ዓቕሊ ስለ ዝገበረና መደባትና ኣይተዓንቀፈን፡ ቑጠባዊ ጸቕጥታት ስንብራት ኣይገደፈልናን እንተ ዘይበልና’ኳ፡ ምስ ኩሉ ብድሆታት ናይ ልምዓት መደባትና ከነካይድ ክኢልና ኢና። እቲ ኩሉ ናይ ናዕብን ምብትታንን ፈተና ድማ ነቲ ሓደ ሓደ ተረፍ መኣዲ ዝጽበ ገዲፍካ

“ግዳይ ዝተወደበ ፍልሰት ሰብ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ተኻሒሶም ንዓዶም ንምምላስ ንጽዕት ኣሎና” ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ሻውዓይ ክፋል

ናብ 5ይ ገጽ ይቕጽል

Page 4: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 4

ሱራፌል ተ/ብሩኽ

መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጽኡ ድዩ ዝበሃል፣ እዚ መዓልቲስ እንታይ ኣለዎ፣ ሻቡ ሓሊፉስ ኣብ ሓጐስን ፍስሃን እኳ በጺሑለይ፣ ቅድሚ ቍሩብ ግዜ ብዕድመ ዝቕጽል ኣይመስለንን ነይሩ፣ ከምዚ ሎሚ ንስሓቕ ከይቀየሮ እንከሎ ዓቕለይ ኣጽቢበ ነይረ፣ እቲ ዛንታ ነዊሕ’ዩ፣ ግን ካብ ባሕሪ ብጭልፋ’ድዩ ዝበሃል። ቆንጪለ ከዕልለኪ፣ኣብ ሳዋ ብ2007/08 ኣብ መበል 21 ዙርያ’ዩ ዝጅምር፣ ተመሃሮ ዋርሳይ ይካኣሎ

እንከለና። ብሓንሳብ መማህርቲን ኮፍ መባህልቲን ኔርና - ሜሪ እትበሃል ቀያሕ ምጭውቲ ጓል፣ ምቅርራብና’ውን ግዜ ኣይወሰደን፣ ገሊኡ ዝምድና እንታይ እዋኑ ሕውስ ይብል ኣይርዳኣካን’ዩ፣ ቀልጢፍና ተዋሃሂድና ኣሕዋት ኴይና ነበርና፣ ከምዚ ኢልና ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሓሊፈ፣ ዳሕራይ ግን ትምህርቲ ስለ ዝተዛዘመ ክንራኸብ ኣይከኣልናን፣ እታ ቀዳመይቲ ጌጋ ኣብ ሳዋ ዝገበርናያ ድማ ኣድራሻ ከይተለዋወጥና ምፍልላይና’ያ፣ ኵሉ ሳዕ ክላለ እንከለኹ ምፍልላይ እርስዕ’የ፣ ብዘይካ ከባቢ ገዛውታ። ኢ-መይላን ተለፎናን ኣይሓዝኩን፣ ምሸት ምሸት ክዝክሮ እንከለኹ ንምንታይ ዘይሓተትኩዋ ኢለ እሓምም፣ ኣለኺ ዝበላ ነብሲ ግን …. ኣብታ ኣካቢት ኵሉ ዝዀነት ጐደና ሓርነት

ተራኺብና፣ እዋይ ናይታ ምሸት እቲኣ’ኳ! ኣብ ማእከል ጐደና እሞ ድማ ምስዚ ኵሉ ሰብ ክትድገም ዘይትኽእል ህሞት ነበረት፣ ተጣማጢምና ናፍቖትና ኣውጺእና፣ ምስ ሰብ ስለ ዝነበረት ግን ብዙሕ ኣየዕለልናን፣ ዝቐደመ ጌጋና ግን ኣይተደግመን፣ ብቘጸራ ክንፈላለ እንከለና ጥዑይ ኣድራሻ ሒዝና ነበርና፣ እዚ ምርኻብና ብማዕረ ደሊናዮ ስለ ዝነበርና ኣብ ሰዓትና ተረኸብና፣ ደገምና ሰለስና… ምርኻብ መቀረና፣ ሕውነታዊ ዝነበረ ርክብና ናብ ፍቕራዊ ቀይርናዮ፣ ንኣስታት ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ብፍቕሪ ምስ ተጓዓዝና ሜረይ ሓድሽ ጠባይ ጀሚራ፣ ትዅሪ። ቈጸራ ትጠልም ዝተዛረብኩዋ ብኣሉታ ትርእዮ … ባህራ ሓዲሱኒ፣ እንታይ ምዃና እንተሓተትኩዋ ብዘይካ “ወላ ሓደ” ካልእ መልሲ የለን፣ ድሕሪ ቍሩብ እዋን ንዓይ ገዲፋ ምስ ካልእ ወዲ ክትዘውር ጀሚራ፣ ብመኪና ከም ዘዛውራ ምስ ፈለጥኩ ናብ ቈልዓ ተቐይረ፤ መኪና ስለ ዘይብለይ ኣስተማሲለ፣ ዝበጽሖ ስለ ዘይነበረኒ ግን ትም ኢለ፣ ኣብ ዝተራኻብናሉ ኣጋጣሚ ምኽንያት ምፍልላይና ካብ ምሕታት ኣይተቖጠብኩን፣ ንሳ ከኣ “ጸሊኤካ ንዓይ ትኸውን ሰብ ኣይኰንካን።” እያ ትብል፣ እቲ ምኽንያት ግን ንሱ ኣይነበረን፣ ሓንቲ መሓዛኣ ንሓደ ከም ዝግደሰላ እትፈልጦ ወዲ ኣራኺባታ ነበረት፣ ከምዚ ዝበልናዮ ሚዛን ሃብቱ ምሳይ ዝቃረብ ኣይኰነን፣ “ካብ ምስዚ ድኻ ምድኽዳኽ። ንዓኺ ኴንኪ ንዓና ክትኰኒ ኣለኪ፣ ፍቕሪ እንጀራ ዝዀነሉ ግዜ ቀደም ሕምባሻ እንከሎ እምኒ’ዩ።” እናበለት ብምውድዳር ልባ ጠወየታ፤ ተፈላሊና ከኣ፣ ንዓይ ግን ንጽቡቐይ ኰይኑ፣ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ - ኣጋጣሚ ኰይኑ - ክንቀሳቐሰሉ

ዝኽእል ግዜ ረኺበ፣ ምስ ዓርከይ ብሸቐጥ ወዲ ሸቐጥ ዘዋህለልናዮ ገንዘብ ንእሽተይ ድኳን ከፊትና፣ ጽቡቕ ገስጊስና ድማ ኣማዕበልናያ፣ ንዕዳጋ ዝኸውን እዋን ኰይኑልና ጽቡቕ ሰራሕና። ንስራሕ እተገልግል መኪና’ውን ገበርና፣ እዚ ኵሉ ክኸውን ሃመይን ቀልበይን ከመይ ኢለ ከም ዝዓቢ ጥራይ እሓስብ ነይረ፣ እዛ ዝረኸብኩዋ ንእሽተይ

ወያ ዕላማ ... እንተ ሃሪማ!7።45 ድ.ቐ.ሩባ መረብ

ምሕዝነት ናብ ፍቕሪ ክቕየር ክብድ’ኳ ዝብል እንተዀነ። ግን ካብ ወረደ ኸ! ከይፈተኹ ነብሰይ ገዲዱኒ ቦኽሪ ፍቕሪ ኣሃዱ ክብል ተበጊሰ፣ እንታይከ ክገብር? እናኽርእያ ጠሚትካ ትጽገብ ዘይትመስለኒ። ኣእዛነይ ድምጻ ክሰምዕ ወትሩ ህርድግ

እናበለ። ኣእዳወይ ጸጉራ ክድህስስ ባዕሉ እዋሳወስ…፤ በቃ ሃልሃልታ ፍቕራ በርቲዑኒ፣ ገለ ነገር ክገብር ነብሰይ ይዅሕኵሓኒ ኣሎ፣ “ኣታ ወዲ ነብስኻ ኣይትወጽዕ! ንህይወት ኣዚኻ ኢኻ ትፈትዋን ትሓልየላን፣ ስለዚ ስክፍታኻ ኣወግድ፣ ምሕዝነታዊ

ፍቕሪ’ዩ ንጾታዊ ፍቕሪ ዘማዕብል፣ ኣብ ዓለም ከይረሓቐካ ዝነብር ሰብ የለን፣ ኣብ መጨረሽታ ምፍልላይ ምህላው ኣይትዘንግዕ፣ ኣብ ቃል-ኪዳን’ምበር ኣብ ምሕዝነት ማሕላ የለን፣ ደሓር ከኣ ንበይንኻ ዕንኪላሎ ኴይንካ ከይትተርፍ፣ ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ፣ በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ ትሕቴኻ’ዩ እሞ በሎ ተብትቦ።” እናበለ ሓሳባተይ ርድኢተይን እናተጋጨወ የሸግረኒ ኣሎ፣ፊስካ ሰለስተ ግዜ ተነፊሓ ዋጭ..

ዋጭ እናበልና ካብ ሃንገርና ወጺእና፣ መንፈሰይ ግን ፍሉይ ባህታን ፍስሃን መሊኡዎ ነበረ፣ ልክዕ ከም ዝተፈተሐ ምራኽ እናነጠርኩ ኣብ መስርዐይ ተራእየ፣ ኡፍ! ሎሚ ሓዲኣ ኣላ፣ እታ ንሓዋሩ ክትኰነኒ ዝተመነኹዋ ፍቕረይ ክነግራ ወዲአዮ’የ፣ ካብቲ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ተግበራታ ርእየ። ንሳ’ውን ኣዝያ ከም ትፈትወኒ ኣይተማታእኩን፣ በዚ’የ ተታባቢዐ ንኽሓታ ዝተደፋፋእኩ፣ ምናልባት’ዶ “ክሓስበሉ’የ።” ትብለኒ ትኸውን?

ለውጢ ህይወተይ ቀየረቶ፣ ሜሪ ግና ካብ ሓሳበይ ኣይወጽአትን፣ እዚ ኵሉ ክኸውን ሜሪ ምስቲ ዝተላለየቶ ወዲ ተሓጸየት፣ ኣብ መገዲ ኣብ እንራኸበሉ። በይነይ

እንተሃልየ ረጊጻትኒ ትዕዘር፤ ምስ ኣዋልድ እንተሃልየ ግን ጸዊዓ ሃተፍተፍ ትብል፣ ስለምንታይ ከምኡ ትገብር ኣላ ኣይጠፍኣንን፣ ስለ ዝፈትዋ። ስለ እቲ ጽቡቕ ግዜ ክርደኣ እፍትን’የ፣ ሓደ መዓልቲ ናይ ኣብርሃም ኣ. ደርፊ ጽሒፈ ሰደድኩላ፣

“እንተ በዲሉኪ ዓለም እንተ ሽጊርኪ ህይወት እንተጓኒፍኪ ጸገም…

ክህልወልኪ’የ!ገና ትነብዕሉ እቲ ልሙዕ ፍቕርና ኣባኺንኪ ሎሚ ካብ ምጥዓስምሓሸኪ ነይሩ ኣነ ከይቀበጽኩ ብዓንተቦ ርክብና ምኹስኳስጽቡቕ ኣይረኸብኪ ጽቡቕ

ኣይሃብክኒ...ከንግሰኪ ኢለ ብዙሕ ተጋዲለ

ምናልባት’ዶ ዓቕሚ ውሒዱኒልቢ ከዕቢ ኢለ ክጽመም ፈቲነ ኣይከኣልኩን ዓቕለይ ጠሊሙኒ

ጽቡቕ ኣይረኸብኪ ጽቡቕ ኣይሃብክኒ …።”

ሜሪ ከይደንጐየት መልሲ ሰዲዳትለይ፣ “ሓወይ ክህልወልካ’የ፣ በደለይ እኣምነሉ’የ፣ ብሰንክኻን ብሰንኪ ግብረይን ድቃስ ኣቢዩኒ ኣሎ፣ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ኣብ ኣኣምሮይ እናተመላለሰ ሰላም ከሊኡኒ ከምቲ ሳሚ ብ. ዝበሎ፥“ዝሓለፈ ዕንበባ ፍቕርና/ ክዝክሮ

ኣብ መግቢ ድቃስና/ ኣይመልሶን’የ ሓዚነ ነቢዐ/ ተሪር ዓጽሙ ሓመድ ምስ ተበልዐ...፣ ስለዚ ከምቲ ‘ይቕረ

እንድዒ! ኣይትውዕሎን ግዲ ትኸውን፣ ኣብ ሳዋ ጨና ምግባር ኩልኩል ምዃኑ እፈልጥ’ኳ እንተዀንኩ ግን ገለ ከም ጽቡቕ ፋል ከም ዝዀነኒ ኣሚነ ኣብቲ ጻዕዳ ዲቪዛይ ነስኒሰ ሃነን እናበልኩ’የ ወጺአ፣ ኣባለይ ከይቀርበኒ እናተጠንቀቕኩ እንከለኹ። ሃንደበት “ተበገስ!” ዝብል ትእዛዝ ሰሚዐ፣ ዋይ ሕጕስ ኢኻ ትብል፣ ሕጅስ ድሕሪ ቍሩብ ደቓይቕ ምስታ ኣዝየ ዝፈትዋ ገጽ ንገጽ ክንረአአ ማለት ድዩ? ካብ ሓሳብ ናብ ሓሳብ እናገላበጥኩ ፊት ክላሰይ በጺሐ፣ ወዮ ተመሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ ጻዕዳ ጸጋማይን የማናይን ኣእዳወን እናኣላገባ። ስሙር ጥዑም መዝሙር እናዘመራ ወረር ክብላ ተራእያ፣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ደቒቕ ህርመት ልበይ እናወሰኸት ነብሰይ ብፍርሒ ራዕራዕ ክብል ተፈለጠኒ፣ ከይትኣብየኒ ኣይኰንኩን ዝፈራሕኩ። ነቲ ብጽቡቕ መሰረት ተሰሪቱ ዝህነጽ ዘሎ ምውቕ ሕውነትና ከይሸራረፎ ስለ ዝሰጋእኩ’የ፣ ሕውነተይ ዓቂበ ትም ከይብል ድማ ብሰንኪ ፍቕራ ከምቲ እኹል ሰብ ግቡእ መግቢ ዝምገቦ ኣይምገብ። ንዓኣ ኣብ ዘዝረኸብኩሉ ህሞት ድቃስ እናሰኣንኩ፣ ምርር ስለ ዝበለኒ’የ ንሎሚ ዝወዳእኩ፣ ኣብ ክፍሊ ምስ ኣተና ኣብ እዝና። “ኣብ ዕረፍቲ ካብ ክላስ ከይትወጽኢ። ደልየኪ ኣለኹ።” ሕሹኽ በልኩዋ፣ ሕራይ ዘመልክት ርእሳ ነቕነቐትለይ፣ ኣብ ሓሳብ ተሸሚመ ሰብ እናተማሃረ ኣነ ንህይወት እንታይ ክብላ ከም ዝግበኣኒ ምስ ነብሰይ ክዛረብ ከይተረዳኣኒ ሳልሰይቲ ክፍለ-ግዜ ኣኸለት፣ ንድሕሪት ገጸይ ብምኻድ ናይ በይነይ ስፍራ ሓዝኩ’ሞ ንዒ ዝብላ ዘለኹ መሲለ ኣፍጢጠ ጠመትኩዋ፣ ህይወተይ ኩነታተይ ተረዲኣ ካብ ሰሌዳ ትጽሕፎ ዝነበረት ኣቋሪጻ ናባይ ገጻ መጽአት፣ብኣዛራርባይ ኣዝየ ዝተኣማመን

ሰብ’የ፣ ናይ ሎሚ ዘረባ ግን ከምቲ

ኵሉ ግዜ ዝዛረቦ ወይ ዝዋዘዮ ዘይኰነ። ኣብ ህይወተይ ፈቲነዮ ዘይፈልጥ ሓድሽ ብዘይ መምህር ግድል እሰርሕ ምህላወይ። ዝነበረኒ ርእሰ ምትእምማነይ ታሕቲ ወረደ፣ ሕጂ ዶ ደኣ ንድሕሪት ክምለስ ኰይነ እናበልኩ። ህይወተይ “ሃይ” ብምባል በቲ ሉስሉስ ኣእዳዋ ሰላም በለትኒ፣ ካብ ገጸይ ገለ ሽግር ኣጋጢሙኒ ምህላው ከም ዝነበበት። “ደሓን ዲኻ ሴኮ” ብምባል ሓተትኒ፣ ኣሓሳባት ውሒጡኒ ዝብላን ዝዛረባን ስለ ዝነበረኒ ድማ ቃላተይ እናተዀላለፈ፡ ክንዲ ምንታይ ከም ዘፍቅራ። ጸገመይ ተረዲኣ ንኽትፍውሰኒ ዝነበረን ዘሎን ቃንዛ ፍቕሪ ብህድኣት ተንተንኩላ፣ ከም ዝሓሰብካዮ መዓስ ኰይኑ ከም ዝዀነልካ እምበሪ… ድዩ ዝበለ ኣብርሃም ኣፍወርቂ፣ ቅንጣብ’ውን ትኹን ብዓይኒ ፍቕሪ ከም ዘይትርእየኒ ብምሉእ እምነት ሓበረትኒ፣ ምኽንያት መእበዪኣ ድማ ኣብዚ ዘላቶ ኩነታት ምስ ነብሳ ዝኣተወቶ ቃልን ተሪር መትከልን ስለ ዝነበራ’ዩ፣ ጾታዊ ፍቕሪ ዋላ’ኳ ጥዑምን ምቍርን እንተዀነ ንኽትበጽሖ እትደልዮ ዕላማ፡ ታኮ ኰይኑ ከም ዝዓግት’ያ ትኣምን፣ ክሳብ ሸቶኣ እትሃርም ከም ፈረስ ንቕድሚኣ ጥራይ እናጠመተት ክትከዶ ከም ዘለዋ ምስ ነብሳ ተማኺራ፣ መስኪነይቲ ነብሲ። ፍቕሪ ተመጊባ ማሚቛ። ብሰላም ናይ ሳዋ ህይወት ክትዛዝሞ ዝሓሰበት ብኣደራዕ ህይወት ተጸፊዓ ኣብ ዘላቶ ደው በለት፣ ምልባም ገና ኣየቋረጸትን፣ ኣብ ልዕለይ ዘለዋ ፍትወትን ኣድናቖትን ከይሓብአት ምሳይ ንሓዋሩ ከም ሓብተይ ኰይና ክትጓዓዝ። መማኽርታን መጻውታን ክኸውን ከም ትደሊን ትብህግን ዳግማይ ምሒላትለይ፣ “ወያ ዕላማ! እንተኣኽቲማ” እናበልኩ ገና ሃንቀው ኢለ እጽበ ኣለኹ፣

ሴኮ - ድባርዋ

“ክህልወልኪ እየ...!”7።45 ድ.ቐ.19 ግንቦት 2013

ክበሃለልኩም ይቕረ በሉ’ ዝበሎ ጐይታ። ይቕሬታ ግበረለይ፣” ክኣምን ኣይከኣልኩን፣ ናይ ቅድሚ ሕጂ ከመይ ኢለ ክርስዖ፣ አረ ክሳብ

ሕጂ ከም ተፍቅረንን ዋላ ምስ ኣሕዋተይ እንከለኹ ከም ትቐንእ ነጊራትኒ፣ ኣነ ከኣ ብድሕሪኣ ካልእ ኣየፍቀርኩን፣ ግን ኢዳ ክመልስ ኢለ “ካልእ ምሽ ሒዝኪ ዘይትገድፍኒ፣ ኣነ ድማ ካልእ ኣላትኒ።” ኢለያ፣ ሜሪ ግን ብኣካልን ብተለፎንን እናተመላለሰት ነቲ ወዲ ከም ዘይትፈትዎ። ካብ ምስ ዘይትፈትዎ ምንባር ነቲ ሕጸ ምፍራስ ከም ዝቐላ ሕንቕንቕ እናበለት ትነግረኒ፣ “ስጋ’ዛ ወላዲተይ” ኢላ ክሳብ ትምሕለለይ ኣይኣመንኩዋን ነይረ፣ ቍሩብ ገንዘብ ኣኻዕቢተ ስለ ዝነበርኩ ገንዘብ ይዝውራ ከይከውን ፈሪሀ ነይረ፣ ንብዓታ ግን ኣብ ውሽጠይ ኣትዩ፣

“ናይ ብሓቂ ዲዩ ነብስኺ ገይሩልኪ ተፈሊኺ ንዝሓገኺዮናይ ብሓቂ ዲዩ ልብኺ ገይሩልኪ ’ዚ ሻኻ ፍቕሪስ ተፈሊኺዮ

ተዓዲልኪ ርሒቕኪ ትኽእሊዮተዓዲልኪ ይቕረ ኢልኪ ትኽእልዮ

ተዓዲልኪ ድላይኪ ትዀኒተዓዊትልኪ ንዅሉ ትኽእሊ ...” ኣ.ኣ

ድሕሪ ብዙሕ ምምልላስን ዘተን ይቕረ ኢለላ፣ ጕዕዞ ህይወትና ናብ ንቡር ክምለስ ኣሃዱ ኢለ፣ ሎሚ እቲ ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ተፈሊየዮ ዝነበርኩ ፍቕሪ ዳግማይ ትንሳኤ ረኺበሉ፣ ኣብቲ ልሙዕ ሻኻ ቤት-ገርግሽ ኢና ዘለና፣ ኣነ ኣብ ሳዕሪ ንሳ ድማ ኣብ ሕቑፎይ ኴይና ነዕልለኪ ኣለና ዳየረይ፣ እቲ ትማሊ ምሳና ዝነበረ። ሎሚ ግን ዘየለ ኣብርሃም ኣ. መፍትኺ ሽግርና ኰይኑ፣ ሜሮነይ ከኣ “ዝመጽአ እንተመጽአ ካብ ጐንኻ ኣይገድፈካን’የ።” ትብል ኣላ፣ ኣነ’ውን

ክህሉወልኪ’የ ኢለያ፣

መርሃዊ ዓ. (ሸቃ)

Page 5: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 5

ንህዝቢ ግን መሊሱ ኣትሪርዎ’ዩ። እዚ ከኣ ብልጫ እዩ። ንሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ መጺኣካ ብዘይ ምኽንያት ክትቶዃትኾ ከለኻ፡ “እንታይ ኰይኑ’ዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ?” እዩ ዝብለካ። ኣብ መወዳእታ ግን ተንቅሖ ኢኻ ዘለኻ። ኩሉ ናይ ሽርሒ ፈተነታት ብተዘዋዋሪ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ስለ ዝገደፈ፡ ብፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ቁጠባዊ. . . መልክዓቱ ዕርቃኑ ወጺኡ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምንቁልቋል’ዩ ዘሎ፡ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል።

ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ገበን ንምኽዋልን ንምምጣጥን ዝካየድ ናይ ህዝባዊ ርክባት ጸወታ ከም ዘሎ ኣቐዲምካ ጠቒስካዮ ነይርካ። ብዛዕባ እዚኦም ህቀናታት እዚኦም ተወሳኺ መብርሂ እንተ ትህበና! ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኹን፡ ኤርትራን ጂቡቲን መወዳእትኡ ብኸመይ መዕለቢ ክረከብ እዩ?

ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ንዛረበሉ ዘለና ናይ ዶብን ሽርሕን ጸገማት፡ ከም ኣስማት በዓል ወያነ ክጥቀሱ ይኽኣሉ ደኣ’ምበር፡ ንሳቶም ኣይኰኑን። ሕጂ እቲ ጉዳይ ከም ናይ ወያነ፡ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ናይ ጅቡቲ እንድሕር ክንዛረበሉ ዄንና ቁሩብ ክዃኹየኒ’ዩ። ምኽንያቱ ብመቓን ታሪኽ ክርእዮ ከለኹ፡ ዝመጸ ስርዓት ስለ ዘይኰነ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክንብል ከለና ክብረት ንህቦም ዘለና ኰይኑ ጥራይ’ዩ ዝስመዓኒ። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ነይሩ ድዩ? ብልምዲ ስለ ዝተባህለ ድዩ? ኢትዮጵያ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተፈጥረት ሃገር’ያ። እቲ ድሕሪኡ ዝመጸ ኩነታት ዓለማዊ ስርዓት፡ ነዛ ኢትዮጵያ እትበሃል ንሱ ብዝሓረዮም ገዛእቲ ክጥቀመላ ምእንቲ ዝፈጠራ ሓይሊ እያ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓት ብናይ ገዛእ ርእሱ ዘቤታዊ ዳይናሚክስ ንዓና ወሪሩ ዝገዝኣና ዘይኰነስ፡ ከም ወኪል ናይ ደገ ሓይልታት፡ ከም ተለኣኣኺ ስለ ዝዀነ፡ ቀጥታዊ ገዛኢና ነይሩ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብ ዘመነ ዝሑል ኲናት፡ ምስ ናይ ምዕራብን ሶቭየትን ገዚፍ ደገፍ ተቓሊስና ኢና ሓሊፍናዮ። ንኢትዮጵያ ከም ሃገር፡ ከም ስርዓት፡ ከም መግዛእቲ ንምክት ነይርና ኣይብልን ኣነ። ድሕሪ ናጽነት ዝተፈጥረ ውክልና ኸኣ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ታሪኻዊ ሰንሰለት’ዩ ጥራይ’የ ክብሎ ዝኽእል። ካልእ ክንሓቶ ዝግበኣና መሰረታዊ

ሕቶ ኣሎ። ናይ የመን ሽግር ምስ መጸ፡ ንድሕሪት ተመሊስኩም ሕተቱ’ሞ፡ ካብ 1991 ክሳብ ቅድሚኡ ማለት 1974 ተላዒሉ ይፈልጥዶ? ኣብ መንጎ’ቲ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ ደቡብ ይኹን ሰሜን የመን ብውክልና

“ግዳይ ዝተወደበ ፍልሰት ሰብ ዝኾኑ ኤርትራውያን. . .” ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ናብ 9ይ ገጽ ይቕጽል

ካብ 3ይ ገጽ ዝቐጸለ ንኤርትራ ሒዙዋ ዝነበረ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን ናይ ባሕሪ ጉዳይን ስለምንታይ ተላዒሉ ዘይፈልጥ? ኤርትራ ናጻ ምስ ኰነት ደኣ እንታይ ኣምጸኦ? ዶብ ናይ ባድመኸ ሽግር ክኸውን ይኽእልዶ ነይሩ? ስለ ምንታይከ ተላዒሉ? ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲንከ ቀደም ተላዒሉ ይፈልጥዶ ነይሩ? ጅቡቲ ተዛሪባትሉ ትፈልጥዶ? ድሕሪ እዚ

ኩሉ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት (ካብ 1977 ክሳብ 91) እንታይ ኣበገሶ? ንምንታይ’የ እዚ ኩሉ ዝብል ዘለኹ፡ መበገሲ ናይ’ዚ ኩሉ ብዝተፈላለዩ ወከልቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝለዓል ተጻብኦታት፡ ናይ ካልኦት ኣጀንዳታት ምዃኑ ንምብራህ’የ። ካብ ታሪኻዊ መቓናት ወጺእና ክንርእዮ ከኣ ኣይንኽእልን ኢና። እገዳ’ውን ካብኡ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ብናተይ ገምጋም ናይ ኢትዮጵያ ወይ ናይ “ፒኣር” (ህዝባዊ ርክባት) ተበግሶታት ናይ ወያነ ኣጀንዳታት ኣይኰነን። እቲ ብዝተፈላለዩ ግዱሳት ዝበሃሉ፡ ብታሕቲ ታሕቲ ዝስደድ መልእኽቲ፡ “ከም’ዚ እንተ ተሰርሐ፡ ከም’ዚ እንተ ተገብረ ይሓይሽ” ዝብል ዘረባታት ናይ ወያነ ኣጀንዳ ኣይኰነን። ወያነ ምናልባት ረብሓ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ንወያነ ከም ተለኣኣኺ፡ ከም ኣገልጋሊ፡ ከም ቆልማጺ ብዙሕ ስም ክወሃብ ይኽእል’ዩ። እንተዘይኰነ ባዕሉ ዘበግሶ ኣጀንዳ ኣይኰነን።

ኩሉ’ ካብ 2009 ገሚሩ ኣብ ዕደና፡ ሓዋላ ብሓፈሻ ኣብ ናይ ቁጠባ ሸርሒ ንምፍጣር ህዝቢ ንምብትታን ዝተገብሩ ማእለያ ዘይብሎም ሽርሕታት፡ ወያነ ዝሃንደሶ ወይ ዝመሃዞ ኣይኰነን። ምናልባት ወያነ ከም ተግባሪ ከም ረጋሒ ክሕወስ ይኽእል ይኸውን። በዞም ሕጂ ካብ ቱርኪ፡ ኤውሮጳ ድዮም ካልኦት ውልቀ ሰባት ክግበሩ

ዝጸንሑ ፈተነታት ጸገም ናይ ኣረዳድኣ ዘለዎም’ዮም። እታ ምንጪ መበገሲቶም ሓንቲ’ያ። ድንቁርና እዩ እየ ዝብሎ ኣነ። በቲ ሓደ ወገን’ውን ኣሽካዕላል ክበሃል ይኽእል - እቲ ዝነበረ “ፕራይም (ቀዳማይ) ሚኒስተር ከይዱ እዩ’ሞ፡ ሕጂ ኩነታት ተቐይሩ ኣሎ፡ ዝብል ሓሳብ ሒዞም ክምዝምዙ ፈቲኖም። ከም’ዚ ንሕና ምስ ውልቀ ሰባት ጽልኢ ዘለና ኣምሲሎም ክተኣታተዉ ሃቂኖም። ነዚ ኩሉ መን’ዩ ዘበግሶ ዘሎ? ንምንታይከ? ድሕሪ’ቲ ኩሉ መጻወድያታት ናብ “ፒኣር” ከእትዉና ንየው ነጀው ምባሎም ናይ’ቶም ኣበገስቲ ዕሽነት ድዩ ወይስ ኣሽካዕላል? ወይ ድማ ንዕቀት? ንሕና እከለ ከም’ዚ ገይሩ፣ ጂቡቲ ከም’ዚ ገይራ ኢልና፡ ነቲ ጉዳይ ብዙሕ ከነጋንኖ፡ ንጃህራ ክንጥቀመሉ፡ ዘመተ ከነካይደሉ ኣይንደልን ኢና። ኣጠቓላሊ ግን ምስ’ቲ ጸቕጢ ንምፍጣርን ንምኽራርን ዝግበር እገዳ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ተረኽበ ተባሂሉ እቲ ናይ “ፒኣር” ጸወታታት መጺኡ። ሕጂ ሓድሽ ዝመስል ግን ዝበለየ ሜላ

ኣብቂዑ’ዩ እየ ዝብሎ። ብሕጂ ዝገብርዎ ፈተነታት ንጭንቀቶም መወሰኽታ ይዀኖም ስለ ዘሎ፡ ንሕና ከኣ ባዕሎም ዘምጽእዎ ጭንቀት ክንፍውስ ግዱዳት ስለ ዘይኰንና፡ ስራሕና ጥራይ እንተ ሰራሕና ይሕሸና።

ክቡር ፕረዚደንት፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኣ ንዝፍጸም ዘሎ ገበናዊ ፍልሰት

ሰብ፡ ማለት (ሂዩማን ትራፊኪን) ኣመልኪታ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ጽሑፍ ነይሩ። ብኣንጻሩ ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ብፍልሰት ሰብ ከምኡ ድማ ብግህሰት ሰብኣውን ሃይማኖታውን መሰላት ተኸሳሲ ንምግባር ዝካየድ ዘመተታት ኣሎ። እዚ ዘመተታት እዚ ኣብ መወዳእታ ክወቅዖ ዝድለ ዕላማ ብርግጽ እንታይ’ዩ? ንምብርዓኑኸ ብወገንና ክካየድ ዘለዎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ከመይ ይመስል?

ኣብ ውሽጢ ገፊሕ መቓን ወይ ‘ኮንቴክስት’ ኣእቲኻ ክትርእዮ ኣለካ። እቲ ተጻብኦ ከም ኣምር እንታይ ዝርዝራት ኣለዎ? እቶም ዝተፈላለዩ ዘመተታት እንታይ ክወቕዑ እዮም ዝካየዱ? ስለ’ዚ ነቶም ዝተፈላለዩ ዘመተታት በብሓደ ምርኣይ የድሊ እዩ። ብፍላይ ኣብ ፍልሰት ሰባት ወይ ‘ሂዩማን ትራፊኪን’ ግን ኣብ ውሽጢ እዚ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመታት

ካብ ዝነበረ መሰረታዊ ወይ ቀንዲ ኲናት ወይ ግንባር እዩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ እቶም ንዕኡ ዘበጋግሱ ምናልባት ኣጸቢቕና ኣይንርድኦን ንኸውን፣ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ኣብ ዝለዓለሉ እቲ መሰረት ናይ ህዝቢ ሓይሊ ከም ዝዀነ ስለ ዝስወጦም’ዩ። ስለ’ዚ ከመይ ገይርካ ንዕኡ ተዳኽሞ ወይ ከመይ ገርካ ትበታትኖ’ዩ እቲ ዕላማ። ሕጂ ብብዙሕ መንገዲ እንተ ርኢናዮ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ዘይጻዓድ ምዃኑ፡ ዘለዎ ዕቑር ተኽእሎታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣብ ውሽጢ’ቲ ገዚፍ ስትራተጂ ክረአ ዘለዎ’ዩ። ንኤርትራ ክትጻባእ ወይ ከተዳኽም እንድሕር ኰይንካ፡ ቅድም እቲ ህዝቢ ክዳኸም ክኽእል ኣለዎ፣ ካብኡ ናብኡ ግን ቀንዲ ‘ታርገት’ (ዕላማ) መንእሰያት እዮም። እቲ ከም መቐጸልታ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተኣታተወ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ መንእሰይ ተኣሳሲሩ ‘ታርጌት’ እዩ። ነቲ ‘ታርጌት’ ከመይ ገርካ ትበታትኖ? ኤርትራ ዓቕሚ ከይትድልብ ምእንቲ፡ ናብ ህዝቢ ዝቐንዐ እዉጅ ኲናት እናሃለወ፡ እቲ ናይ መንእሰያት ፍልሰት ምስዓቡ፡ ብዓቢኡ ኣብ ውሽጢ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መደብ ኣእቲና ክንሪኦ ዘለና። እዚ ንነዊሕ ዓመታት ክንከታተሎ ኢና ጸኒሕና። ምኽንያቱ ኣተግበርቱ ናይ ብዙሓት ሃገራት ናይ ስለያ ትካላት’የን። ብቐንዱ ከኣ ናይ ኣመሪካ ናይ ስለያ ትካል (ሲ.ኣይ.ኤ) እዩ። ከመይ ገይርካ ብዝተፈላለየ ዘመተ ኣብ ደገ ስራሕ ኣሎ፣ ገንዘብ ኣሎ፣ እናበልካ ገነት ከም ዘሎ ኣምሲልካ እቲ መንእሰይ በቲ ወረ ተናዊጹ ሃጽ ከም ዝብል ትገብሮ’ዩ። ብፍላይ ተመኩሮ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘይነበሮ ዜጋ እዩ ድማ እቲ ቀንዲ ተጠቃዒ። ነዚ ንምትግባር ግን ብዘይካ ምምዋል መርበባት ምስራዕ የድሊ። ካብ ዝዀነ ከባቢ ናይ ኤርትራ፡ ብዝተፈላለዩ ጂኦግራፊያዊ መሳኹቲ ከመይ ገይርካ ሰባት ተህድም፡ ንሱዳን ክሰግር ዝበለ እቶም ኣስገርቲ ውዱባት’ዮም። ዝተፈላለዩ ዓይነት ደላሎ ናይ ሰብ ኣለዉ። ሰብ ዝሸጡ ሰብ ዝቕይሩ ማለት’ዩ። ካብ’ዚ ክሳብ ከተማታት ናይ ሱዳን ዝተወደበ መርበባት ኣሎ። ካብኡ ናብ ግብጺ ወይ ናብ ሊብያ ዝኣትዉ እንተ ዀይኖም ኣብ ዶብ ወደብቲ ኣለዉ። ካብ ግብጺ ዶብ ምስ ሰገሩ፡ ብቐይሕ ባሕሪ ገይሮም ዝሰግሩ እንተ ዀይኖም ዘሰጋግሩ ኣለዉ። ንኣብነት ናብ እስራኤል ዝወስዱ ወደብቲ ኣለዉ። ኩሉ ዘድሊ ከም መካይን፡ መራኸቢታት፡ መራኽብ ዝኣመሰለ መሳለጥያታት ኣሎ። ኣብ ውሽጢ’ዚ መርበብ ነጋዶ ናይ ፍልሰት ሰብ ጥራይ ዘይኰኑ ናይ ጸጥታ ትካላት’ውን ብውዱብ መልክዕ ይኹን ብውልቂ ንገንዘብ ኢሎም ዝሰርሑ ተሓባበርቲ ኣለዉ። እቲ መርበብ ኣዝዩ ገዚፍ’ዩ። እቶም ኣሰጋገርቲ ዝበሃሉ ዝኽፈልዎ

Page 6: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

Vacancy Announcement

Asmara college of Health Sciences invites qualified and eligible candidates for the positions of Graduate Assistant to be assigned to the diploma freshman program within the college:

S.N Field of study For future specialization & placement in the following fields of specialty

Number Required

1. B.Sc. in Biology Biology 052. B.Sc. in Chemistry Chemistry 053. B.Sc. in Computer

ScienceComputer Science 05

4. B.Sc. Mathematics Mathematics 055. B.Sc. in Physics Physics 056. B.A in English English 02

cGPA ≥ 2.75 (Preferable 3.00 and above)•

Applicants must provide documents of completion / exemption of National Service, •or proof that they are in active duty of National Service

Salary as per the scale of Institutions of Higher Education •

Only short listed applicants will be contacted for interview •

If selected release or transfer from the current employer will be required•

Application deadline will be 10 days from the date on announcement•

Interested applicants are required to submit their non-returnable application with current CV and other relevant documents to the HRM Office of the Asmara College of Health Sciences, P.O.Box 8566 Asmara, Eritrea or in person to the same office within the University of Asmara campus.

ኣብ ዝጥዕመኩም፡ ከም

ዝማእማኣኩም ብውልቅኹም

ብእትመልክዎ ቋንቋ ትግርኛ

እትመሃርሉ ናይ ኮምፕዩተር

ትምህርትታት ብምውሳድ

ፍልጠትሉም ኣስፍሑ።

እዚ ትምህርቲ ኦርጂናል ዲቪዲ

(DVD) ዋንነትኩም ብምግባር

ባዕልኹም ተማሂርኩም ግቡእ

መርመራ ድሕሪ ምውሳድ

ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ዘሎዎ

ምስክር ወረቐት እትረኽብሉ

እንኮ መንገዲ እዩ።

ኣድራሻና

CompuTech ኤርትሮ ጀርመን ቴሌ 121650 / 07129099 ኢ-መይል [email protected]

http://www.erisell.com

ኮምፒቴክ CompuTech

Page 7: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 7

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ዛኤር ሓ.ዝ.ብ.ማ. ርሑስ በዓል “ቅዱስ ዮውሃንስ” ይግበረልና እንዳበለ ከምወትሩ

ንዓማዊሉ ንምሕ¶ስ ኣብ ካሚቻን ስረን ናይ 20% M²éªF ዋጋከምዝገበረ ከበስር ይፈቱ፣

ኣድራሻና ኣስመራ መንደፈራ Ø ጎደና ሓርነት ቁ. 32 Ø ከባቢ ሞቢል 09 ነበር ፊት ካተድራል ቤ/ክ ቁ.ስ. 610017 ቁ.ስ. 110074

Ø ጎደና ተጋደልቲ(ባራቶሎ ነበር) ከረን ጎዳይፍ Ø ፓላሶ ሪቫ ቁ.ስ. 182383 ቁ.ስ. 400301

Ø ኣስማራ ፓላስ ደቀምሓረ ኢንተርኮንቲነንታል ነበር Ø ጥቓ መድሃኔዓለም ቤተክርስትያን ቁ.ስ. 153700 ext.2280

ኮማዊ ቤት ፍርዲ

ቤተገብሪኤል

ወ/ሮ ርግበ ኣማኒኤል መንግስቱ፡

ምስ ኣቶ ከበዶም መንግስቱ ተኽለማርያም፡ ብሕጊ ተመሪዒና 2 ቆልዑ ወሊድና ቅድሚ 6 ዓመት ናብ ወጻኢ ከይዱ፡ ክናብየኒ ስለዘይከኣለ፡ ብ ዘመድ ሽማግለ ብምምራጽ ፍትሕ ክውድኣለይ ስለዝበላ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/9/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ

ትካልና ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ ብ/ማ ሓደ ሰራሕተኛታት መካኒክ (General mecanic) ነዚ ዝስዕብ ረቓሒታት ዘማልእ ክንቖጽር ስለዝደለና፡ ኣመልካቲ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ናብ ትካልና መጺእኹም ከተመልክቱ እናሓበርና፡ ዘድሊ ቅጥዕታት ኣማሊእኩም ክትቀርቡ ንሕብር።

1. ዓይነት ስራሕ . . . . . . . ጀነራል መካኒክ ብቁዕ ናይ ኦክስጅንን ኤልትሮድን ምልሓም ተመኩሮ ዘለዎ፡2. ጾታ . . . . . . . . . . . . ተባዕታይ 3. ዕድመ . . . . . . . . . . . ካብ 25 - 50 ዓመት4. ደረጃ ትምህርቲ . . . . . . ተክኒካል ስኩል ዝተመረቐ ካብ 5

ዓመት ንላዕሊ ተመክሮ፡ ናይ ጀነራል መካኒክ ክእለትን ተወሳኺ ፍሉይ ክእለት ናይ ኦክስጅን ኤለክትሮድ ናይ ምልሓም ክእለት ዘለዎ5. ሃገራዊ ግቡእ ዝፈጸመ6. ደሞዝ . . . . . . . . . . ብስምምዕ 7. ቦታ ስራሕ . . . . . . . . ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ ብ/ማ (እንዳ

ኤቸ ነበር)

ምልክታ

ብስም ኪዳነ ኣስቀላዊ ምራጭ፡ ዝተመዝገበ ብቁ/ፍ/ዋኒን ASL-

00035285 ዝኾነ ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ገጀረት ጎደና እግሪ

መኸል ቁ/ገዛ ዝርከብ ናይ ቤት መግብን መስተን ትካለይ ንወ/ት

ንግስቲ ኪዳነ ገ/መድህን፡ ካብ 01/03/2013 ክሳብ 31/12/2013

ኣካርየዮ ስለዘለኹ፡ ዝቃወም ምስዝህሉ እዚ ምልክታ’ዚ ካብ ዝወጸሉ

ዕለት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ስልጣን ንቤት ፍርዲ ተቓውምኡ

ይቕረብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ፡ እቲ ናይ

ክራይ ውዕል ሕጋዊ ምዝገባ ከምዝፈጸመሉ አፍልጥ

ኣቶ ኪዳነ ኣስቀላዊ ምራጭ

ምልክታ

ወ/ሮ ሰላም ካሕሳይ ሓጎስ ዝተፈቕደለን ናይ መስርሒ ወርቅን

ብሩርን ንግዳዊ ትካል ‘‘ ኣፎማ ሰራሕ ወርቅን ብሩርን’’ (AFOMA

JEWELLERY) ተባሂሉ ክስየመለን ስለዝሓተታ። እዚ ናይ ንግዲ

ስም ቅድሚ ምምዝጋብና ዝቃወም ኣካል እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ

ወርሒ ካብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ መአገዲ የቕርቡ። እንተዘኮይኑ ዝቃወም

ኣካል ከምዘየል ተቖጺሩ እቲ ናይ ንግዲ ስም ከምንምዝግቦ ነፍልጥ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ

Page 8: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 8

መበል 83 ክፋል

በዓል ወጻኢኣብ እንዳ ወድን ጓልን ሰፊሕ ናይ ሕጸ

ጽንብል’ዩ ተኻይዱ። ኣዛሄር ግና እቲ ሕጸ እናተፈጸመ’ውን ሕጉስቲ ኣይነበረትን። ካብ ኣፍቃሪኣ ዝሰምዓቶ ዘረባ ፈጺሙ ኣየደቀሳን። ልባ ተሰይሩ ድማ ‘እህህ’ ክትብል’ያ ሓዲራ። ኣብ እዋን ሕጸኣ ስምዒታ ሓቢኣ ክትዋሳእ ዘኽእል ዓቕሚ’ውን ኣይነበራን። ዘይኮንካዮ ምዃን ዝኽእሎ’ዩ ዝኽእሎ። ‘መስጣ ቢንያም’ባ በጺሑኒ’ በለት ናይ ጸገማ ሃንዳሲ ቢንያም ምዃኑ ትፈልጥ ብዘይምንባራ ኣክንድኡ ሓዘን እናተሰምዓ።።“ንዒ እስኪ ኣዛሄር ጓለይ!’’ ወ/ሮ ርግበ ነታ

ኣብ ገጻ ሓጎስ ዘይነበረ ጓላ ካብ መሓዙታ ፈንቲታ ናብ መደቀሲ ወሰደታ። “ገጽኪ ዘይትፈታትሕዮ።’’ ኣድመጸት ብስምዒት። “እንታይ ክተርእይና ትደልዩ ኣለኺ? ደሓር ድማ ሓቃ ትኹን ሓስያ ብዘየገድስ መርሃዊት ኣብ ልዕለኺ ሕማቕ ሓሳብ ከም ዘይብላን ዘይሓሰበትን መጽሓፍ ጠቒዓ’ያ ምሒላ። ኣብ እዋን ሕጸኺ እንታይ ማለት’ዩ ገጽካ ምእሳርከ! ሰብ እንታይ ይብለኒ ኣይትብልን ዲኺ?’’ ምኽርን ተግሳጽን ኣስምዐት።“ሕራይ ክገድፎ’የ ማማ።’’ ቃል ኣተወት።“እወ እዛ ጓለይ! በዓልቲ መዓልቲ ምዃንኪ

ኣይትዘንግዒ። ኩሉ ሰብ ድማ ሕጉስ ከይመስለኪ። ናይ ከብዱ ዝርእዮ ስለ ዘይብሉ ከናፍሩ ከፊቱ ሕጉስ ክመስል ጥራይ’ዩ ዝጽዕር። ሕጉስ ንምምሳል ምግዳል’ዩ እምበር እዚ ዓለም ሓጎስ ዘለዎ ከይመስለኪ።’’ ምኽራ ለገሰት።“ተግባሩ እኳ’ዩ ዘሕርቐኒ ዘሎ።’’ በለት

ተግባር ሕጹያ ካብ ኣእምሮኣ ስለ ዘይሃሰሰ ርእሳ እናነቕነቐት። “እኳ ቁሩብ ግዜ ኣይመርጽን። ኣብ ድሮ ሕጸይ ተሓጒሰ ምእንቲ ከይውዕል ብዘይኮነ ዘረባ የጸልመኒ።’’ ንብዓት ክስዕራ ደልዩ ሕንቕንቕ በለት።“ኣንቲ ቈልዓ እንታይ ድየ ዝብለኪ

ዘለኹ?’’ ሓረቐት ኣደ። “ዝበለ ይበል ብተግባር ግና ይሕጸየኪ ኣሎ። ሰብኡት ብዝብልዎ ኣይፍረዱን’ዮም። ከምኡ እንተትኸውን እሞ ምስ ሰብኣይ ጸኒሕና ንዓኺ’ውን ኣይምወለድናን። ደሓር ድማ ባዕልኺ ይኾነኒ’ዩ ኢልኪ ዝመረጽክዮ’ዩ መስለኒ። እንታይ ዝገበርና ሰባት ኢና ኣብ መንጎ ንቕርቀር። ኣነ እነግረኪ ኣለኹ መስሓቕ መሓዙትኪ ከይትኾኒ። ሕጸ ብሰላም ክሓልፍ ሓግዝና። ብድሕሪኡ እቲ ጸገም እንታይ’ዩ ብሓባር ኮይና ክንዘራረበሉ ንፍትን። ዘይፍታሕ ጸገም የለን መስለኒ። ቅድሚኡ ግና ናይ ቈልዓ ተግባር ኣይንግበሮ’’“ንሚልክያስ ዝኾነ ነገር ክትዛረብዮ

ኣይደሊን’የ!’’ ብነድሪ ስምዒታ ገለጸት። “ዝሓተትክዎ ሕቶ ስለ ዘለኒ ፈለማ ንዕኡ ክምልሰለይ ክኽእል ኣለዎ። እንተጠንጠኖ ድማ ይጠንጥኖ። ኣነ ካብ ፈለማ’ውን ምስ ዘየኽብረኒ ሰብ፡ ሓዳር ክገብር ምርጫይ ኣይኮነን። ጥርጣሪኡ ምእንቲ ከንቱ ክኸውን ድማ ኣብ መርዓይ ድንግል ከም ዝኾንኩ ኣረጋጊጸ’የ ዝወጽእ።’’“ከመይ ከመይ’ዩ እዚ ዘረባ ወደይ!’’ ኣደ

ዳርጋ ምስ ነብሳ ኣጉረምረመት። “እቲ ዘረባ ናይ ድንግልን ዘይድንግልን ድዩ?’’ ቀው ኢላ ጓላ ጠመተት። ብልባ ድማ ጥርጣረ ሓደራ። ‘ደቂ ሎሚ ኣይመሓለለን’ዩ’ በለት ምስ ነብሳ።“ዓርኪ ነይሩኪ ገለ እንድዩ ዝብል ዘሎ. .

.”“ሚልክያስ ከምኡ ይብል’ዩ?’’ ሰበይቲ

ተገረመት። “እንታይ ደኣ እቶም ካብ ወጻኢ ዝመጹ ከምኡ ኣተሓሳስባ ከም ዘይብሎም ዝዕለል?’’“ክላእ!’’ በለት በቲ ናይ ኣደኣ ዘረባ ስለ

ዘይዓገበት። “ብኣፎም ጥራይ’ዮም ከምኡ ዝብሉ። ግና ሚልክያስ ዝበለ እንተበለ’ውን ኣነ ዝጠራጠረሉ ምኽንያት የብለይን። ብቐደሙ ጽሪቲ ከም ማይ ንግሆ ኮይነ’የ ሓሊፈዮ። ነብሰይ ሓልየ ዝኸድኩ ስለ ዝኾንኩ ድማ በዚ ጉዳይ’ዚ ዝምክሓለይ ሰብ የለን።’’ ብርእሰ ተኣማንነት

ብንያም ፍስሃጽዮን

[email protected]

ገለጸት።“ጓል መን ዲኺ እዛ ጓለይ! ጓል ኣስጎዶም፡

ጓል ርግበዶ ኣይኮንክን!’’ ኣደኣ’ውን ንዘረባኣ ደጊፋ ቃላ ኣስመዐት። “ከምዘን ደቂ ሎሚ ከም ዘይትኾኒ ደኣ ንኣምን። በሊ ሕጂ ናይ ሕጸኺ ንግበር። ብዝተኻእለ መጠን ገጽኪ ክተብርሂዮ ፈትኒ። ኣጋይሽ ክቕበል ከይደ ኣነ። ኣብ ሕጸኣ ሕማቕ ውዒላ ከይተብልና። ደሓር ድማ ቪዲዮ ትምልኢ ከም ዘለኺ ዘክሪ። ሰነድ ስለ ዝኾነ ጽባሕ ንግሆ ከጣዕሰኪ’ዩ።’’ ስክፍታ ፈጢራ ስምዒታ ክተህድእ ፈተነ ኣካይዳ ካብ መደቀሲ ወጸት።

***ኣብ እንዳ ወዲ’ውን ሃብተ ዝርከቦም ኣዕሩኽ

ንሚልክያስ ክዕጅቡ ኣብ ምድላው ነበሩ። ኣብ ገጽ ኩሉ ሰብ ናይ ሓጎስ ስምዒት እናተንጸባረቐ እንከሎ ግና ወ/ሮ ሮማ ሕጉስቲ ትመስል ኣይነበረትን። “ኣንቲ

ንዒ እ ስ ከ እ ዚ ኣልዕልዮ!’’ ብ ዓ ው ታ ንመርሃዊት ኣዘዘታ። ጽልኣ ምስ መርሃዊትን ምስ ስርሓን’ዩ ነይሩ። ንነብሲ ወከፍ ተግባራ ክትሕሉ ዋርድያ ኮይና ነበረት። ሰይጣን ኮይና’ያ ትስመዓ ነይራ። ዘዕበየታ ጓል ምዃና ክሳብ ምዝንጋዕ በጺሓ ነበረት። ሕጸ ምስ ሓለፈ ሓንቲ ለይት’ውን ተሕድራ ትመስል ኣይነበረትን። እዚ ዝፈለጠት መርሃዊት ድማ ዘረባ ሓትኖኣ እንተተለወጠ ብምባል ዝተባህለቶ ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይበለትን። ከይተረድኣ ዘይዕግበታ ከይስዕራ’ውን ዓቢ ጥንቃቐ ትገብር ነበረት።“ሃብተ ዓርከይ!’’ በለ ሚልክያስ ክምስምስ

እናበለ። ካብ ዝኾነ ሰብ ሕጉስ ዝነበረ ንሱ’ዩ። ምስ ኣዛሄር ዝተዛራረብዎ ዘረባ ብወገኑስ ሽዑ ንሽዑ’ዩ ተረሲዑ። ከም ዓቢ ጉዳይ’ውን ኣይረኣዮን። ሕጽይቱ’ውን ከምኡ ንእለት ዝረስዓቶ’ምበር ክተኮማስዖ ሓዲራ’ያ ዝብል ግምት ኣይነበሮን። እቲ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ሕጽይቱ ከቢድ ናይ ስነ ኣእምሮ ጭንቀት ከም ዝፈጠረ ዝነገሮ የብሉን። “ኣይነፋዕካን’ምበር ሕጂ ምሳይ ምተሓጸኻ ነይርካ።’’ ተዋዘየ ንዓርኩ እናላገጸ።“እሞ እንታይ ዘይገበርኩ? ምስ ሰብ ዲኻ

ምስ ነብሪ ኣላሊኻኒ ኣይተረድኣንን።’’ ሕመቑ ናይ መርሃዊት ከላግብ ተሰምዐ።“ኣየይ!’’ በለ ሚልክያስ። “ዓቕሚ ምስ

ሰኣናስ ኣይበላዕናን ይብላ’’ ብምባል ንዘረባ ዓርኩ ኣነኣኣሰ። “እዚ ኣጋጣሚኸ ዘይትጥቀመሉ። ኣንቲ መርሃዊት?’’ ዓው ኢሉ ተዳመጸ። መርሃዊት ብፍጥነት ደበኽ በለት። “እንታይ ደኣ ካልእ ይትረፍ ምስኡ’ኳ ኣይትኾንን?’’ ዘረባኡ ዳርጋ ትእዛዝ ነበረ።“ኣታ ሚኪ እሰርሕ እንድየ ዘለኹ።’’ ንሃብተ

ካብ ክሳድ ንላዕሊ ክምስታ ለጊሳ መመኽነይታ ኣቕረበት።“እንታይ ዘስርሕ ኣለኪ?’’ ደሃላ። “ስለምታይ

ድየ ሰራሕተኛታት ኣምጺአ?’’ ክትምልሰሉ ከም ዝጽበ ቀው ኢሉ ጠመታ። መስክነይቲ መርሃዊት ግና ርእሳ ደፊኣ ነበረት። ሚልክያስ ሃንደበት ንዓኣ ገዲፉ ኣዒንቱ ናብ ማዕጾ ተሳገራ። “ኣርሴማ!’’ ድማ በለ ብዓውታ። ኣይደንጎየን ድማ ንዓርኩን ንመርሃዊትን ከይዘከረ ናብታ ናይ ንእስነት ልቡ ዝወሰደት ወይዘሮ ኣበለ።“ናበይ ደኣ መርሃዊት?’’ ሃብተ፡ ነታ ካብ

ቅድሚኡ ክትርሕቕ ኣእጋራ ዘልዓለት መርሃዊት ብድምጹ ደው ከም ትብል ገበራ።“ኣለኹ ሃብተ’’ ኢላቶ ስጉምታ

ኣቀላጠፈት።“ዝዛረበኪ ኣለኒ ደው በሊ።’’ ድፍር ኢሉ’ዩ ሓቢርዋ - ናይ ትእዛዝ ብዝቐርብ ሓበሬታ። ቃና ናይ

ኣ ዘራርባኡ ’ውን ስምዒት ዝሓዘለ ነበረ። መርሃዊት ካብ ዝነበረቶ ከይተንቀሳቐሰት ደው ክትብል ተገደደት። “እንታይ ገይረኪ’የ ቀጻሊ ካባይ ክትርሕቂ ዝርእየኪ ዘለኹ?’’“መዓስ ወደይ?’’ መርሃዊት ሰንበደት።

እቲ ዘረባ ዳርጋ ናጤባ’ዩ ኮይንዋ። ‘ካልአይ ከይኣኽለንስ ድማ ተወሳኺ’ ዘየበላ’ውን ኣይኮነን።“ኩሉ ግዜ!’’ በላ ኣዒንቱ ኣብ ገጻ ኣዕሊቡ።

ንሳ’ውን እቲ ስምዒት ዝነበሮ ዘረባ ስለ ዘስግኣ ናብቶም ቀይሖም ዝነበሩ ኣዒንቱ እናጠመተት ኣብ ሓሳብ ኣተወት።“ኣታ ሃብተ ከምኡ ኣይትበል።’’ በለቶ ህድእ

ኢላ። እቲ ዘረባ ክወዓዋዕ ኣይደለየቶን። “ኣብ መንጎ ስራሕ ደኣ እንታይ ክገብር ደሊኻኒ! ማማ ትርእያ እንዲኻ ዘለኻ።’’“ኣይተመኻንዩ! ኣነ ካብ ልቢ’የ ዘፍቅረኪ።

ዘይትደልዩኒ እንተዄንኪ ድማ እቲ ሓቂ ንገርኒ ካልአይ ክምርዖ።’’ ከምኡ ገይሩ ንጓል ደፊሩ ክዛረብ ፈለማዩ ነበረ። መርሃዊት እቶም ቃላት ካብኡ ድዮም ካብ ካልእ ይወጹ ነይሮም ክሳብ ምጥርጣር’ያ በጺሓ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣፉ ኣፉ ትሕሉ ነበረት።“ኣንታ ሃብተ በጃኻባ ኣብ ቅድሚ ሰብ.

. .”“ናይ ሰብ ኣይግድሰንን’ዩ!’’ መመሊሱ

ረሰነ። “ሰብ እኳ’የ መርሃዊት። ከም ሰብ፡ ፍቕሪ ኣሚነ ናብኡ እንተኸድኩ ጌጋ ድዩ? ወተሃደር ከፍቅር የብሉን ዝበለ ኣሎ ድዩ? ፍቕሪ ንወተሃደር ኣይምልከትን?’’ ንመርሃዊት ክርድኣ ዘይክእል ዘረባ’ዩ ዝዛረብ ነይሩ።

“ፍቕሪ ንኹሉ እናተመልከተ ንዓይ ከጓንየኒ ኣይክእልን’ዩ። ንስኺ ግና ከተጓንይኒ እርእየኪ ኣለኹ። ተፍቅርኒ ዲኺ ኣይተፍቅርንን?’’ ብጠጠዋ ክትምልሰሉ ኣገደዳ። “ንዓኺ’የ ዝሓተኪ ዘለኹ።’’ ምስ ምጉጣጡ’ዩ።“ኣንታ ሃብተ ኣብ በይንናዶ ንዘራረብ?’’“ሕጂ መልስኺ እደሊ ኣለኹ።’’ ኣዋጠራ።

“ኣበይ ኮይና ክንዘራረብ?’’ ተሃወኸ። ኣዒንቱ ድማ ናብ ሚልክያስ ለኣኸ። ሚልክያስ ምስ ኣርሴማ ዕላል ሒዙ ስለ ዝነበረ ግና ኣይተገደሰሉን።“ጸገም የለን፡ ሚልክያስ ዘድልየና ኣይኮነን።”

እቲ ጉዳይ ወዲ ሓትኖኣ ክጽንበሮ ስለ ዘይደለየት ናታ ውሳኔ ወሰደት። “ኣብ መደቀሲየይ ኮይና ክ ን ዘ ራ ረ ብ ንኽእል ኢና።’’ ከም ተረድኦ

ከይተጠራጠረት መሪሓቶ ናብ መደቀሲኣ

ሰጎመት።***

“እሞ እንታይ ደኣ!’’ ኣዒንቲ ሶልያና ኣብ ገጽ ኣዛሄር ዓለበ። “ግዜ ይኸይድ ስለ ዘሎ ንዳሎ’ምበር።” ከም መሓዛ መጠን ክትገብሮ ዝግበኣ ትገብር ይመስላ ነበረ። ካብ ኣዛሄር ዝረኸቦ ዓጸፌታ ግና ኣይነበረን - እንትርፎ ቀዉ ኢልካ ምጥማት። ሶልያና ኣጠማምታ ናይ ኣዛሄር ድሂልዋ ተወሳኺ ዘረባ ካብ ምዝራብ ተቖጠበት። ብሚልክያስ ስለ ዝመጸት ጦብሎቕ ምባል ከም ዘየድልያ ድሒሩ ኮይኑ’ምበር ተረዲእዋ ነበረ። ገጽ ኣዛሄር ካብ ንግሆ ኣትሒዙ ተኣሲሩ ምንባሩ እናስተውዓለት’ያ ርእይቶኣ ኣስሚዓ። ‘ኣብ ሕጸኣ ከምዚ ገይራ ክትጽወግ ደኣ ናይ ደሓን ድያ?’ ዘብል ስምዒት’ውን ዘይሓደራ ኣይኮነን። ‘ብመንገዲ ሚልኪያስ ምምጽአይ ዘየሐጎሳ ከይብል ኣብቲ ፈለማ ጽቡቕ ገይራ’ያ ተቐቢላትኒ።’ ንሳ ጠንቂ ከም ዘይኮነት እናገመተት ምስ መሓዝኣ ብሕሹኽታ ዕላል ጀመራ። “ኣንቲ መቐረት ርኢኽያዶ ተጸዊጋትለይ’ምበር!’’“ኣቲ ጓል ትም በሊ። ኣብ ሕጸና ኩልና

ከምኣ ከይንኸውን ጥራይ ንጸሊ። መን ይፈልጥ ጓል ክትሕጸ እንከላ ስለ ትሓፍር ከም ተሓጎሰት ከይትፍለጥ ንምኽውዋል ከምኡ ትገብር ትኸውን - ትጽወግ።’’ ተዋዘየት። “ኦይ ዘይከውን ዘረባ!’’ ንኣበሃህላኣ መሓዝኣ

ኣይደገፈቶን። “ኣብ ሕጸይ ርኢኽኒ እንዲኺ! ከም ጸሓይ ደሚቐዶ ኣይነበርኩን?’’ ንድሕሪት ተመሊሳ ኩነታት ሕጸኣ ብዂርዓት ዘከረት።“እሞ ሕጂ እዚ ኩነታት ኣየር ከምዚ

ትርእዮ ዘለኺ’ዩ። ጸሓይ ትርእዩ ኣለኺ ዲኺ? ንስኺ ዕድል ገይርኪ ኣብ እዋን ሓጋይ ኢኺ ተሓጺኺ። እዛ ሓብትና ግና. . .’’ ናብ ሰማይ ኣማዕደወት። ጸሊም ደበና ዝመልአ ዝኾረየ ዝመስል ሰማይ ድማ ንኣዒንታ ተቐበሎ።

“ኩነታት ኣየር ንሓጎስካን ሓዘንካን ወሳኒ ተራ’ዩ ዝጻወት።’’“ሜትሮሎጂ እስከ ትም በሊ!. . .” ክትድህላ

ፈተነት። “እንታይ ኮይናኸ ትበሃል ጓለይ?’’ ዋዛ ሓዲጋ ናብ ርጡብ ሕቶ ኣተወት። “ኣብ ክንዲ ክምስምስ እናበለት በዓል መቐረት ክትሕጸያ ተተባባዓክንሲ ገጻ ገጽ ሓምለ ሰነ ክተምስሎ!’’ በለት ሶልያና ምስቶም ኣብ ኣእምሮኣ ዝነበሩ ብዙሓት ግምታት እናተቖራቖሰት። “ገለስ ኮይና ኣላ። ድሒርና ደኣ ንሰምዖ’ምበር ተገዲዳ ትሕጸ ከይትህሉ’ዩ ጥርጠራይ።’’“እዋእ! እሞ ዘይትገድፎ። ተገዲድካዶ ናይ

ሓዋሩ ህይወትካ ተበላሹ ኢኻ? ሰብኣይ ኣብ ዝኸድካ ኪድ ዝሰኣን ኣይኮነን። ካልእ ጸገም ደኣ ኣለዋ’ምበር ከምኡስ ኣይመስለንን።”“ንስኺ ከኣ እዛ ዘረባ እዚኣ ክትደጋግምያ

ጥራይ። ዓይነት ናይ ሰብኣይ’ዩ ዘገድስ። ፈጣሪ ጥራይ’ዩ ሓደ’ምበር ኣሰብኡት ደኣ መሊኦም እወ። ግና ከምኡ ኢልካ ንዝረኸብካ ኣይትምርዓውን ኢኻ። ሰብ ካብ ሰብ ይፈላለ’ዩ። ስለ ዝፈላለ ድማ’ዩ ኣብ ምርጫ ዝኣቱ።’’ ኣረመታ።“ . . . ኣንቲ በሊ ትጽወዓኪ ኣላ።” መቐረት

ናብ ኣዛሄር ምስ ጠመተት ምልክት ክትገብር ረኣየታ። “ኣነ ድማ ክኸይድ።’’“ናበይ ክትከዲ?’’ ሶልያና ሰንበደት። “ምሳይ

ክትውዕሊዶ ኣይኮንክን መጺእኪ?’’“እዋእ እሞ ትርእያ እንዲኺ ዘለኺ እዛ

መሓዛኺ። ከም ጸላእታ ብዘይቅረብ ገጽ እናጠመተትና ደኣ ከመይ ገይርና ኣብ ቤታ ክንህሉ። እንታይ ይፍለጥ ወላ ንዓና ትኸውን ተጸዊጋ ዘላ። ንስኺ ድማ ኣብ ክንዲ ኖርማል ኴንኪ ትመጺ ንዓኣ ክተቕንኢ ዝተዓጠቕኪ ትመስሊ ኮኾብ መሲልኪ መጺእኪ። ኣብ ሕጸኣ ንሳ ክትረአ ዝግበኣ ብኣንጻሩ ኣዒንቲ ሰብ ናባኺ ከም ዝግዕዝ ገይርክዮ። ጓል ቀናእ ምዃና እናፈለጥኪ ከምኡ ትገብሪ፣ እሞ ድማ መሓዛ እንከለኺ። እዛ ጓል ካብ ተግባርኪ ወጻኢ ካልእ ዘሕረቓ ምኽንያት ዘሎ ኣይመስለንን። ግምታ ገለጸት። “እዛ ናይ ኣዛሄር ንዓና ዓባይ ትምህርቲ’ያ። ጓል ኣብ ሕጸኣ ይኹን ኣብ መርዓኣ ካብኣ ንላዕሊ ቆንጅየን ዝረኣያ መሓዙት ክትገብር የብላን። ባዕላ ኣብ ሽግር ክትወድቕ።”“ኣንቲ ሓቅኺ እባ ኢኺ! ኣነ ድኣ ከምኡ

ዘይሓሰብኩ።’’ ሽዑ ዝተረድኣ ሶልያና ኣብ ሓሳብ ኣትያ ዝን በለት። “ሓቅኺ ኢኺ። ኣነ ንኣብነት ኣብ መርዓይ ካባይ ትጽብቕ ጓል ክርኢ ኣይደሊን’የ። መቐረት እኳ ስለ ዝበልጸኪ መሓዛ ንምዃን ጸገም የብልክን።’’ ተዋዝያ ስሓቐት። ግና ሓቂ’ያ ተዛሪባ። ካብ መሓዝኣ ኣጸቢቓ ንሳ ከም ትምልክዕ ትፈልጥ’ያ።“ኣንቲ እንታይ’ሞ! እዚ ጽባቐ’ዚ ሒዝኪ

ካብ ሓደ ናብ ካልእ ክትናጠሪ ምዉዓልኪ እንድዩ ዘሕስበና ዘሎ። ጽባቐ እንተሓሊኻዮ’ዩ ጽባቐ ኮይኑ ዝነበር። እምበር ካልኦት መርወዩ ስምዒቶም ዝጥቀምሉ እንተኾይኖም ዝተጨውየ ቁንጅና’ዩ። ዝተጨውየ ቁንጅና ድማ ናይ ወናኒኡ ኣይኮነን።’’ ዓጽማ ዝሰብር ዘረባ ተዛሪባ ክትከይድ ተበገሰት።“መሓዛይ ንዒ ኪዲ!’’ በለታ ካልእ

ከይትውስኽ እናተሰከፈት። “ከምዚ ዘረባ’ዚ ቅድሚ ምዝራብኪ’ውን ክትከዲ ነይሩኪ።’’ መቐረት ድሕሪ’ቲ ዘረባ ንእለት መንገዳ ጸረገት።

ይቕጽል

Page 9: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 9

ኣሎ፣ እቲ ክፍሊት 12 - 13 ሽሕ ዶላር ዝበጽሓሉ እዋናት ኣሎ። እቲ ገንዘብ ካበይ ይመጽእ - ገዚፍ ኣርእስቲ’ዩ። ዝርዝራቱ ብዓቕሊ ክንከታተሎ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ። ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብየቱታ ወይ ጥርዓን ኣቕሪብና። እቲ ዘገርም ከኣ ነዚ ዝምልከት ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ኣዋጅ ብስም ስደተኛታት ንኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ጥራይ ዓዲ ክኣትዉ ዘፍቅድ ምዃኑ’ዩ። ከምዚ ዝበለ ነገር ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ስለ ምንታይ እየን ኣብ ውሽጢ’ዚ መርበብ’ዚ ብፍላይ ንኤርትራውያን ዝቕበላ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ክህልዋ ተደልዩ? ብዙሓት ካብ ኣባላተን ብዘይ ወግዓዊ መንገዲ ኣብ’ቲ መርበብ ተወዲቦም ዝሰርሑ ኣለዉ። ዝኣኽለና ትንታነ ዘይኰነ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክንእክብ ጸኒሕና። ቅድም ኣቤት ምባል፡ ብውሑዱ ምስ’ተን መሰጋገሪ ዝዀና ዘለዋ ሃገራት ክንዛረበሉ መሪጽና። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝጀመርናዮ ምትሕብባራት ነይሩ። ምኽንያቱ ፍልሰት ሰባት ገበን ስለ ዝዀነ። ምኽንያቱ እቲ መርበብ ፍሉጥ ስለ ዝዀነ፡ ኣብኡ ዝሰርሑ ሰባት ብምህላዎም ንሳቶም’ውን ስለ ዝፈልጥዎ፡ ገለ ንሳቶም ዘይፈልጥዎ ንሕና ንፈልጦ ድማ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ቀንዲ ቀንዲ ገበነኛታት ንምርካብ ኣብ ሓበሬታ ምልውዋጥ ምትሕብባር ጀሚርና። ኣብ ግብጺ ዝነበረ ስርዓት ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ስራሕ እቱው ስለ ዝነበረ፡ መስመራት ከፊትካ ምትሕግጋዝ ኣጸጋሚ’ዩ ነይሩ። እዋን ለውጢ ምስ መጸ ናብ ሙርሲ (ፕረዚደንት ዝነበረ መሓመድ ሙርሲ) ወግዓዊ መልእኽቲ ሰዲድና። ኣብ’ቲ መደብ ምሳና ክተሓጋገዙ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብደረጃ ዓለም፡ እዚ ገበን’ዚ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ

“ግዳይ ዝተወደበ ፍልሰት ሰብ ዝኾኑ ኤርትራውያን. . .” ፕረዚደንት ኢሳይያስካብ 3ይ ገጽ ዝቐጸለ ስለ ዝዀነ ናይ ሓባር ዲፖሎማስያውን

ፖለቲካውን ዘመተታት ከነካይደሉ ተሰማሚዕና። ኣብ ሊብያ ምስ ስርዓት ቓዛፊ ብዙሕ ግዜ ዝተበኣስናሉ ጸገማት ነይሩ። ወላ እቲ ቁጽሪ ብዙሕ ኣይኹን ባሕሪ መዲተራንያን ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ መንእሰያት፡ ብዙሓት ካብኣቶም ብመንገዲ ሊብያ እዮም ዝኸዱ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ኣዝዩ

ተንካፊ ፍጻመ ተፈጺሙ። ናይ’ቲ ስርዓት (ስርዓት ቓዛፊ) ናይ ጸጥታ ሰባት ካብ’ቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብኡ ዝነበሩ መንእሰያት 40 ደቀንስታዮ ምስ ናይ ጣልያን ሸፋቱ ተሰማሚዖም ሸይጦመን። ብዛዕባ ምምላስ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም እናተዛረብና ከለና፡ ስለ ምንታይ ከምኡ ይግበር? ኢልና ምስ መንግስቲ ሊብያ ሓደን ክልተን ተባሂልና። ስለ’ዚ እቲ ምስ ሓደ ክልተ ሃገራት ዝፈጠርናዮ ናይ ምትሕብባር ዝምድና፡ ኣብ ብዙሕ ኣይሰርሐን። ምኽንያቱ እቲ መርበባት ኣዝዩ ዝተፈላለየ ጽልዋ ዘለዎን ዓቢን’ዩ። ምድንጋራት’ውን ማእለያ የብሉን። ካልእ’ውን ኣብ ዶብ ናይ ግብጽን ሱዳንን ‘ጀበል ኣውላድ’ ዝበሃል ከባቢ፡ ብለይቲ ክሰግሩ ከለዉ፡ ነፈርቲ ብዘይ ኣብረርቲ መጺአን ቀቲለንኦም’ውን ይበሃል’ዩ። እቶም ዝሞቱ መብዝሓትኦም ንፍልሰት ዝኸዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን እዮም። ብዛዕባ ፍልሰት ሰባት ብዙሕ ኣሰቃቒ ዛንታታት ኣሎ። ክንቆጻጸሮ ክንክእል ምእንቲ ምስ መንግስታትን ነቲ ጉዳይ ዝሓዛ ትካላትን ምትሕግጋዝ ክግበር ተፈቲኑ። ገዚፍ ውጽኢት ነይርዎ እንተ ዘይበልና’ኳ፡ ከም ሓደ ኣማራጺ ሒዝናዮ ነይርና። እቲ ገበናት መወዳእታ ምስ ተሳእኖ ኣቤት ክንብል ነይሩና። ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ገበን ከቢድ’ዩ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት፡ ዘይጭበጥ ተስፋታት እናሃብካ መጻኢ ዕድሎም

ብምስባር ለመንቲ ምግባር፡ ካብኡ ዝዓቢ ገበን ያለን። ስለምንታይ’ዮም ሰባት ካብ ኤርትራ

ዝወጹ ዘለዉ? ፖለቲካዊ በደል ስለ ዘሎ? ወይ ጭኮና ስለ ዘሎ? ደሞክራስያዊ ስርዓት ስለ ዘየለ? ካብ ጭኮና ዝሃድሙ ዘለዉ ኣምሲልካ፡ ምስ ዘሎ ናይ ዜናን ናይ ፕሮፓጋንዳን ዓቕሚ ናይ’ተን ትካላት ቀጻሊ ጸለመ ክካየድ ጸኒሑ። መወዳእታ ኣብ’ዚ ሃገር ምግሃስ መሰል ወዲ ሰብ ከም ዘሎ ንምምሳል ናይ ሃይማኖትዶ ናይ ከም’ዚ መሰል የለን እናበልካ ነቲ ገበናት ትሽፍኖ። ነዚ ኩሉ ገበን ፈጺምካ ከኣ “መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ተሓታቲ” ምባሎም ኣየገርምንዶ? ከም ኣብነት ናይ’ዞም ክንዛረበሎም ዝጸናሕና ኣብ እስራኤል ዘለዉ 30 ሽሕ ሰባት ኩነታት ዘስካሕክሕዩ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ክምለሱ እንተ ዀይኖም ቅድም ቀዳድም እቲ ገበን ክምርመርን መዕለቢ ክግበረሉን ክኽእል ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ’ዞም ሰባት ገበን’ዩ ተፈጺሙ። ዝተሰብረ ዕድሎምን ዘጥፍእዎ ግዜን ክካሓሱ ክኽእሉ ኣለዎም። ገበን ምዃኑ ምርግጋጽ ጥራይ ኣይኰነን። ካሕሳኦም ክረኽቡ ክኽእሉ ኣለዎም። መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ሓላፍነት ዜጋታቶም ክስከሙ ግዴታ ኣለዎም። ፍልሰት መንእሰያት ምጅማር

ኲናት’ዩ። እዞም መንእሰያት ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሓለፉ ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ሃገር ምስ ወጹ ወተሃደራዊ ስልጠና ስለ ዘየድልዮም ኣብ ደገ ኣኻኺብካ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ትፈጥር፣ ኣብ መወዳእታ ድማ መንግስቲ ምግምጣል እዩ እቲ ዕላማ። ሓደ ካብቲ ጭንቀት ዝፈጠረሎም፡ ሰብ ወላ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይሰደድ ንቤተሰቡ ንህዝቡ ንሃገሩን ስለ ዝብል’ዩ። ምናልባት ሓደ ክልተ ተረፍ ሸሓኒ ዘልምጹ ዘጸልሙ ኣይሰኣኑን። ስለ’ዚ ብዘይካ’ቲ እነቕርቦ ኣቤቱታ እቶም ብፍቓዶም ክምለሱ

ዝደልዩ’ውን ከም ዝምለሱ ንምግባር ዝስራሓሉ ዘሎ’ዩ። ግን ከም’ቲ ኣቕዲመ ዝበልኩዎ፡ ተሓታቲ ናይ’ዚ ገበን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ወይ ኣብ ዝዀነ ዳኛ ቀሪቡ ናይ ገበን ተሓታትነቱ ክረጋገጽ ኣለዎ። እንተ ዘይቀሪቡ’ውን እቲ ሓቂ ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ። ሕጂ እናተጋለጸ ስለ ዝኸደ ንሕና’ውን ኣሎና እንብሎ መርትዖታት ስለ ዘሎ፡ ብናጻ ኣካል ክምርመር ኣለዎ። ምናልባት ከደንቕ ይኽእል ይኸውን፣ ግና መርትዖታትና ኣቕሪብና፡ መሰል ዜጋታትና፡ መሰል ህዝቢ፡ መሰል ሃገር፡ ክንከታተል ክንክእል ኣለና። ምስቲ’ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ፡ እዞም ሰባት ድማ ውዒሎም ሓዲሮም ተኻሒሶም ንዓዶም ዝምለሱሉ መንገዲ ንሰርሓሉ ኣሎና። ብዛዕባ መሰል ሰባት ስለ ዝተሓተትና ወይ ካልእ ዘይኰነ ግዴታና’ዩ። ከም ናይ መኸተ ግንባር ወሲድና ንሰርሓሉ ሓላፍነትን ግዴታን ከኣ’ዩ።

ክቡር ፕረዚደንት ኣቐዲምካ ኩነታት እስራኤል ጠቒስካ ነይርካ። እስራኤል ነቶም ብፍልሰት ከይዶም ኣብ መሬታ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ካልእ ሳልሰይቲ ሃገር ክትጥርዞም’ያ ይበሃል ኣሎ። ሓንሳብ ናብ ኡጋንዳ ሓንሳብ ድማ ናብ ጁባ . . . ክትሰዶም’ያ ድማ ይበሃል። ኣመለኻኽታ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ከመይ’ዩ?

ኣነ ኣብ ናይ ዜና ቆይቊ ክኣቱ ኣይደልን’የ። ነቲ ጉዳይ ከም ምስ ካልኦት፡ ምስ መንግስቲ እስራኤል’ውን ብዕቱብ ሒዝና ንሰርሓሉ ስለ ዘለና፡ ኣብ ዘረባታት ኣቲና ክንምልሽ ኣይንደልን። ብዛዕባ’ቶም ኣብኡ ዘለዉ ዜጋታትና ጉዳይ ግን ብወግዓዊ መንገዲ ምስ መንግስትን ትካላት መንግስትን ንዛረበሉ ኣለና።

ክቡር ፕረዚደንት ናብ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ክንሰግር። ዞባና

ማለት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ብፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ናዕብታትን ግዳማዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምትእትታውን ቅሉዕ ወራራት ከም በዓል ሶማል ዒራቕ ከምኡ’ውን ከምዚ ሕጂ ክትጠቕሶ ዝጸናሕካ፡ ናይ ‘ሂዩማን ትራፊኪን’ ይኹን ናይ ቅርሰና ሽግራት ክሕመስ ዝጸንሐ ዞባ’ዩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ናይ’ዚ ዞባ ዘሎ ውድድር ናይ ጎብለልነት’ውን ነቲ ጸገማት ዝያዳ ክሕንክሮ ዝጸንሐ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ተወጊዱ ኣብ መንጎ ሃገራት ናይ’ዚ ከባቢ ናይ ምምምላእን ናይ ምትሕግግዛ ጎደቦ ንምምስራት ዝሎ ኣረኣእያናን ፖሊስታትናን ገለ መብርሂ ክትህበና?

ፖሊሲታትና እንታይ እዮም ወይ እንታይ ክንገብር ጸኒሕና ኢልና ክንዛርብ ንኽእል ኢና። ግን ኩሉ ግዜ ዕለት ብዕለት፡ ወርሒ ብወርሒ ወይ ዓመት ብዓመት ዝመጹ ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝሰፍሐ ትርኢት ምዃኑ ክንርእዮ ክንክእል ኣለና። ኣብ’ዚ ዕስራ ዓመታት ናዕቢ ብኹሉ ኣንፈት፡ ብኹሉ ቁልውላው ምሕቋን እንታይ’ዩ ጠንቅታቱ? ኢልካ ምሕታት ይከኣል’ዩ። ንሕና እሙን ጎደቦ፡ ርጉእ ጎደቦ፡ ናይ ምትሕግጋዝ ጎደቦ ክኸውን’ዩ ድልየትናን ፖሊሲናን። ስለምንታይ እዚ ሕርያ እዚ ወሲድና እንድሕር ኢልካ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ነናቱ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ስትራተጂታት፡ ፖሊስታት ወይ ቀዳምነታት ክህልዎ ይኽእሉ እዮም። ናይ ሃገራዊ ድሕነት ፖሊሲ ስትራተጂ ቀዳምነታት ብምንታይ’ዮም ዝውሰኑ? ብባዓላዊ ድሌት ወይ ብስምዒት ዝውሰን ኣይኰነን። ዞባና ኣብ ዓለም ዘሎ ኩነታት ዝውስኖ

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

Page 10: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 10

ኤርምያስ ሰሎሞን

ሕርሻን መግብን

መድሃኒት ጸረ-ባልዕኣመዳድባ ጸረ-ባልዕ

ጸረ-ባልዕ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት መሰረት ብምግባር። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ይምደቡ፣ ንኣብነት።-

* ብመሰረት ኣገባብ መርዛምነቶም* ብመሰረት ኣገባብ ኣቀታትላኦም* ብመሰረት ኣገባብ ኣተኣታትዋኦም* ብመሰረት ቀመማዊ ባህርይኦም* ብመሰረት ዝቐትሉዎ ዓይነት ባልዕ* ብመሰረት ኣደላልዋኦም* ብመሰረት ሓፈሻዊ ኣጠቓቕማኦም

ምድላው ጸረ-ባልዕ

ጸረ-ባልዕ ኣብ ፋብሪካ ብኽልተ ዓይነት ቀመማዊ ትሕዝቶ ተዳልዩ ይቐርብ።-

1. ንጡፍ መርዛዊ ትሕዝቶ (active ingredient)2. መሓፍስቲ ወይ መመላእታ (inter ingredient/ carrier)

እቲ ንጡፍ መርዛዊ ትሕዝቶ ዝብሃል። ነቲ ባልዕ ክቐትል ዝኽእል ቀመም ናይቲ ጸረ-ባልዕ እዩ፣ እቲ መመላእታ ወይ መሓፍስቲ ድማ ጸረ-ባልዕ ንክሓቅቕ። ምስ ማይ ወይ ተመሳሳሊ ንኽወሃሃድ። ብጽቡቕ ንኽብተን። ናይ ምጥባቕ ባህሪ ወይ ተኽእሎ ንኽህልዎን። ንምንካይ (ንምውሓድ) ወዘተ. ይሕግዝ፣

ዓይነት ጸረ-ባልዕ

ዋላ’ኳ ብዙሓት ዓይነት ጸረ-ባልዕ እንተሃለዉ። ገለ ካብኦም ንምግላጽ።-- ጸረ ሓሸራ (insercticide)- ጸረ-ፋንጋስ (fungicide)- ጸረ-ጻህያይ (herbicides)- ጸረ-ነማቶድ (nematicide)- ጸረ-ኣረነን ካልኦትን molluscide- ጸረ-ኣናጹን። ምጹጽላይን። ቅንፍዝን ካልእን rodenticide

ኣብ ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕ ክትግበሩ ዝግብኦም ጥንቃቐታት

ጸረ-ባልዕ ብግቡእን ብጥንቃቐን እንተዘይተጠቒምናሎም። ኣዝዮም ሓደገኛታት እዮም፣ ገሊኦም ሽዑ

ንሽዑ ዝጐድኡ ኾይኖም ገሊኦም ድማ ደንጕዮም/ እናጸንሑ ሕዱር ሕማም ከስዕቡ ይኽእሉ፣

ቅድሚ ምንጻግ ክትግበሩ ዘሎዎም ጥንቃቐታት

• ዝኾነ ስሙ ዘይተጻሕፈሉ ወይ ንጹር ሓበሬታ ዘይብሉ ጸረ-ባልዕ ዘይምግዛእን ዘይምጥቃምን • ጸረ-ባልዕ ብግቡእ ኣብ ዝዕጾን ዘይፈስስን (ዘይልሑኽ) መትሓዚ ክቕመጥ ኣለዎ• ጸረ-ባልዕ ካብ ዝብላዕን ዝስተን ነገራት። ካብ ቈልዑ። ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘሎዎም ከምኡ’ውን ካብ እንስሳታትን ኣርሒቕካ ኣብ ዕጹው ቦታ ክቕመጥ ይግባእ፣• ጸረ-ባልዕ ብዓይነት ሰሪዕካን ፈሊኻን ምቕማጥ፣• ጸረ-ባልዕ ካብቲ ናይ መጀመርታ መትሓዚኡ ናብ ካልእ መትሓዚ ገልቢጥካ ዘይምጥቃም፣ እንተ ተገምጢሉ ኸኣ ግቡእ/ ንጹር

ጽሑፍ ክግበረሉ ይግባእ፣• ጸረ-ባልዕ ኣብ ደረቕ። ጠሊ ዘይብሉ ቦታ ከምኡ’ውን ብርሃን ጸሓይ ብቐጥታ ኣብ ዘይኣትዎ ቦታ ምቕማጥ፣• ጸረ-ባልዕ ቅድሚ ምንጻግና ኣብ መትሓዚ ጸረ-ባልዕ ተጻሒፉ ዘሎ ምሉእ ሓበሬታ ከም ዓቐን። ዝተሰርሓሉን ዝበላሸወሉን ግዜ ብግቡእ ምንባብን ምርዳእን የድሊ• ኣብቲ ዝንጸገሉ ቦታ እኹል ሳምናን ማይን ምቕራብ

• ምሉእ መከላኸሊ ዕጥቂ ማለት በጃ ምቕራብ• እቲ ንጥቀመሉ ጸረ-ባልዕ ውጽኢት ዝህብን ኣብ ህዝብን ኣከባብን ትሑት ናይ ምምራዝ ባህሪ ዘሎዎም ክኸውን ይግባእ• ንቐዳማይ ረድኤት ዘድሊ መሳርሒታት ምቕራብ፣

ድሕሪ ምንጻግ ክግበሩ ዝግብኦም ጥንቃቀታት

• ቅድሚ ምምጋብ። ብማይን ሳምናን ምሕጻብ• ዝተጠቐምናሉ መንጸጊታት ምሕጻብን ምፍታሽን• ሕጻብ ጸረ-ባልዕ ናብ ሩባ- ዛራ ወይ ዒላ ከይፈስስ ምጥንቃቕ• መርዛም ዝኾነ ጸረ-ባልዕ ዝተነጽጎ ቡቕሊ ብቐሊሉ ንዘይተወሰነ ግዜ ከይተበልዐ ክጸንሕ ይግባእ፣

ሰብ ይኹን እንስሳ ካብ 15 መዓልትታት ንላዕሊ ወይ ኣብቲ መትሓዚ ጸረ-ባልዕ ዘሎ መምርሒ ዝእዝዞ መሰረት ኣብቲ ጸረ-ባልዕ ዝተነጽጎ ቦታ ንኸይኣቱ ምኽልካል

ብጸረ-ባልዕ ጉድኣት ዝግበር ቀዳማይ ረዲኤት

• ጸረ-ባልዕ ብኣጋጣሚ ኣብ ቈርበት እንተ ፈሲሱ ቀልጢፍካ ብጽሩይ ማይ ምሕጻብ፣ ናይ ምቝሳል ወይ ምድማይ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙ ግን ብጽሩይ ፋሻ (ባንደጅ) ምሽፋን’ምበር ካልእ ዝኾነ መድሃኒት ምጥቃም ኣይግባእን፣• ኣብ ዓይኒ እንተ ፈሲሱ ድማ ብመጀመርታ ሽፋን ዓይኒ ምግምጣል፣ ድሕሪኡ ጽሩይ ማይ

ብላዕሊ ምፍሳስ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ማይ ዝመልኦ ብርጭቆ (ብኬሪ) ዓይንኻ ምጥላቕ፣• ጸረ-ባልዕ ዝተሰመመ ሰብ ቀልጢፍካ ካብቲ ዝተሰመመሉ ቦታ ምርሓቕ፤ ካብቲ ተኸዲኑዎ ዝነበረ በጃታት ድማ ምውጻእ የድሊ፣• እቲ ዝተሰመመ ሰብ ናብ ምውቕ ዝበለ ጸጥታ ዘሎዎ ቦታ ብምውሳድ። ኣብ መሬት ብኸብዱ በጥ ኢሉ ከም ዘዕርፍ ምግባር፣• እቲ ጸረ-ባልዕ ብኣፍ እንተ ተዋሒጡ። እሞ ድማ ዘይፍሑቕ ዓይነት (non-corrosive) እንተኾይኑ። ክልተ ማንካ ናይ ሻሂ ጨው ኣብ ልብጥ ዝበለ ፍርቂ ሊትሮ ማይ ብምሕዋስ ደጋጊምካ

ክሳብ ዘምልስ ምስታይ• ማይ ወይ ጽማቝ ፍረታት ብብዝሒ ምስታይ፣ ከምኡ’ውን እቲ ዝተሰመመ ሰብ ናብ ሓኪም ክሳዕ ዝኸይድ ነቲ ጸረ-ባልዕ ብዝተዳለወ ኣንቲዶት (antidote) ከም ቻርኮል (activated charcoal) ወይ ካልኦት ተመሳሰልቲ ምሃብ ሓጋዚ እዩ፣• ዝፍሑቕ (corrosive) ልዑል ኣሲድ ወይ ኣልካላይን ትሕዝቶ ዘሎዎም ጸረ-ባልዕ ኣብ ግዜ ተምላስ ጎረሮን ምስኡ ዝተሓሓዙ ኣካላትን ከቃጽል ስለ ዝኽእል ምስኡ’ውን ናብ ሳምቡእ ክኣቱ ስለ ዝኽእል ሓደገኛ እዩ፣• እቲ ዝተሰመመ ሰብ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ ሰብ እንተኾይኑ ክተብልዖ ወይ ከተስትዮ ኣይግባእን፣• ኣብ ግዜ ምንቅስቓስ ሕሙም ከይጕዳእ ምጥንቃቕ• እቲ ዝተሰመመ ሰብ። ኣየር ዝሓጽሮ እንተኾይኑ ብቕልጡፍ ኣርተፍሻል ምስትንፋስ ብኣፍ ናይቲ ዘይተሰመመ ሰብ ብኣንፍንጫኡ ምሃብ፣ ብተወሳኺ መዕጠቒ ቍልፊ ምዝላቕ ይግባእ፣• እቲ ዝተሰመመ ሰብ። ኣብ ኣፉ ወይ ኣብ ገጹ ጸረ-ባልዕ እንተሃልይዎ ንምስትንፋስ ክትሕግዝ ከለኻ። ኣብ ክንዲ ብኣፍ ብትቦ ክኸውን ኣለዎ፣ እቲ ጥዑይ ሰብ መታን ከይስመም፣• እቲ ዓቐን ምስማም ኣዝዩ ልዑልን ሓደገኛን እንተኾይኑ። ቀልጢፍካ ናብ ሓኪም ምውሳድ፤ ከምኡ’ውን ምሉእ ሓበሬታ ናይቲ ዝተሰመመሉ ጸረ-ባልዕ ንሓኪም ምሕባር፣ እንተ ተኻኢሉ። መትሓዚ ጸረ-ባልዕ ብኣካል ነቲ ሓኪም ምርኣይ፣

ምንጪ።- - ሕማማት ኣሕምልትን ፍረታትን መከላኸሊኦምን- Pesticides: Compounds use & hazards

ሚኪኤል ካሕሳይክፍሊ ኣገልግሎት ሕጋጋትን

ቍጽጽርን ሚ/ሕርሻ

ዓቐን።- 1 ስጋ መልሓስ 3 ማንካ ጣውላ ጠስሚ 1 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ጻዕዳ ሽጉርቲ 1 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ፐርሰሜሎ 4 ጉዕ-በርበረ ንቑመት ዝተመትረ 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም 1 ማንካ ሻሂ ጨው ኣዋዘ ከም ኣድላይነቱኣገባብ።- ነቲ ስጋ መልሓስ ኣጸቢቕና ነብስሎ፣ ኣውጺእና ኸኣ

ክሳብ ዝጽዕዱ ብኻራ ንሓኮ፣ ምስ ጸረየ ሓጺብና ብኸቢብ ኣርቂቕና ንመትሮ፣ ቀጺልና ኣብ ድስቲ ጠስሚ ኣምኪኽና እቲ ዝቖረጽናዮ መልሓስ። ሽጉርቲ ጻዕዳ። ፐርሰሜሎን ጉዕ-በርበረን ኣእቲና ኣጸቢቕና ንቐልዎ፣ ኣብ መወዳእታ። ጨውን በርበረ ጸሊምን ነስኒስና። ኣዋህሂድና ነውርዶ፣ ምስ ኣዋዘ ጌርና ኸኣ ንመግቢ ንቕርቦ፣

መም. ፍረወይኒ ገብረሂወት

ስጋ መልሓስ

Page 11: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 11

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ናይ 133 ሚልዮን ዶላር ተጻዋታይ ሎሚ ክፍተን’ዩ

ሎሚ ምሸት ሪያል ማድሪድ ከም ወትሩ ምስ ቪያ ሪያል ግጥም ከተካይድ መደብ ተሰሪዑላ ኣሎ፣ እንተኾነ፡ ኣሰልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ፡ ኣብ መንበር ተቐየርቲ ዘለዉ ተጻወትቲ፡ ደገፍቲ እታ ክለብ፡ ሓለፍቲ ሪያል ማድሪድ ኮታ ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪ ነቲ ግጥም ብኣንክሮ ክዕዘብዎ እዮም - ልዕሊ 133.1 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ንጋረዝ በይል ዝወጸ ገንዘብ ኣብ መዓላ ውዒሉ ዶ ዋላስ? ንዝብል

ሕቶ ኣንፋቲ ምላሽ ንምርካብ፣ኣሰልጣኒ ሪያል ማድሪድ ካርሎ ኣንቸሎቲ፡

ኣብ ቅድመ መዳለዊ ጸወታታት ምጅማር ዓመተ ስፖርት 2013/’14 ብሰንኪ ዝነበረ ናይ ምስግጋር ዝርርብ፡ በይል ብቕዓቱ ከም ካልኦት ተጻወትቲ ከምዘይተፈተሸ የረድእ፣ እንተኾነ ሎሚ ምሸት ኣብ የማናይ ሸነኽ ተሰሊፉ ካብ ቪያሪያል ሰለስተ ነጥቢ ንምምንዛዕ ክቃለስ እዩ፣ ዝሓለፈ ሰሉስ ሃገራዊት ጋንታ ዌልስ ብሰርብያ 3ብ0 ኣብ ዝተረትዓትሉ ግጥም ኣብ ሜዳ ዝተሰለፈ በይል፡ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ሓደስቲ ኣባላት ክለቡ ኣብ ልምምድ ተጸሚዱ ምቕናዩ ይግለጽ፣ ኣብ ሜዳ እውን ጽቡቕ ምንቅስቓስ ከምዘርኣየ ይንገር፣ እንተኾነ ምስ ሮናልዶ ብምዃን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓጺር ምቅብባል ልምምድ እቲ ተወላዲ ዌልስ

ዝኾነ ተጻዋታይ፡ በቲ ፖርቱጋላዊ ማህሰይቲ ከምዝወረዶ መራኸቢ ብዙሃን እስጳኛ ይግለጻ ኣለዋ፣

“በይል ካብ ጸወታ ርሒቑ ከምዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ፣ በዚ ድማ ገለ ጉድለታት ይረኣዮ ኣሎ፣ እንተኾነ ኣብ ኣካላዊ ብቕዓት ዝነኣድ እዩ”

ይብል ካርሎ ኣንቸሎቲ፣ዓባይ ክለብ ሪያል ማድሪድ ኣብ ትሕቲ

ኢድ ካርሎ ኣንቸሎቲ ካብ እትኣቱ ጀሚራ ንሰለስተ ናይ መኽፈቲ ጸወታታት ብዓወት ከተሰላስል ክኢላ እያ፣ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ግጥማት መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ከምኡ እውን

ግጥማት ምሕነት ሃገራውያን ጋንታታት ሓያለ ካብ ተጻወትቲ መጉዳእቲ ከምዝገጠሞም ይግለጽ፣ ብመሰረት ኣሰልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ እስጳኛ ምስ ቺለ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ምሕዝነት ፈላሚ ጸወታ ዘካየደ ፈርናንደዝ፡ ንቦታ ብራዚላዊ ማርሴሎ ከምኡ እውን ፖርቱጋላዊ ፋብዮ ኮንትራኦን ተኪኡ ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ ናይ መስመር ምክልኻል ክጻወት እዩ፣ እዞም ክልተ ተጻወትቲ ምስ ሃገራውያን ጋንታታቶም ኣብ ዝቐነዩሉ እዮም መጉዳእቲ ገጢምዎም፣

ክርስትያኖ ሮናልዶን ኢስኮን እውን ኣብቲ ቕነ’ቲ መጠናዊ ማህሰይቲ ከምዝገጠሞም እንተኾነ ሓውዮም ነዚ ግጥምዚ ድሉዋት ምህላዎም ይንገር፣

ብኻልእ ወገን፡ ካርሎ ኣንቸሎቲ እውን ብቦታ መሱት ኦዚል ክፍተን ምዃኑ ብዙሓት ተንተንቲ ኵዕሶ እግሪ ይዛረቡ ኣለዉ፣ መሱት ኦዚል ሓደ ካብ ከዋኽብቲ ሪያል ማድሪድ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ እዩ ናብ ኣርሰናል ኣምሪሑ፣ እቲ ተጻዋታይ ብሓፈሻ ኣብ ሜዳ ብዝነበሮ ተራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ግዜ ጽንኩር እዋናት ንሪያል ማድሪድ መድሕን ክኸውን ተራእዩ እዩ፣ እቲ ተጻዋታይ ናብ ኣርሰናል ዝተሰጋገረሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ካርሎ ኣንቸሎቲ ኣብ ልዕሊኡ እምንቶ ብዘይምሕዳሩ ምዃኑ ይግለጽ፣

መደብ ጸወታ ቅድድም ብሽክለታ

ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል ብምኽንያት መዳለዊ ሻምፕዮን 2013 ንጽባሕ ሰንበት ውድድር ሰሪዑ ምህላዉ የፍልጥ፣ ኣብቲ ረፍዲ ኩለን ዲቪዥናት

ከምኡ እውን ውድድራት ማውንተይን ባይክ ክሳተፋ

ምዃነን እቲ ሓበሬታ ይውስኽ፣

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝሎሚ

ማንቸስተር ዩናይትድ - ክሪስታል

ፓላስ 2:45

ኣስቶን ቪላ - ኒውካስል 5:00

ፉልሃም - ዌስትብሮም 5:00

ሃል ሲቲ - ካርዲፍ 5:00

ስቶክ - ማን ሲቲ 5:00

ሳንደርላንድ - ኣርሰናል 5:00

ቶተንሃም - ኖርዊች 5:00

ኤቨርተን - ቸልሲ 7:30

ጽባሕሳውዝሃምፕተን - ዌስትሃም 6:00

16 መስከረምስዋንሲ - ሊቨርፑል 10:00 ምሸት

ላ’ሊጋሎሚ

ኣትለቲኮ ማድሪድ - ኣልሜራ 5:00

ለቫንተ - ሪያል ሶሴዳድ 7:00

ባርሳ - ሰቪያ 9:00

ቪያሪያል - ሪያል ማድሪድ 11:00

ምሸት

ጽባሕገታፈ - ኦሳሱና 6:00

ሪያል ቤትስ - ቫለንስያ

10፡00

ሰረ’ኣሎሚ

ኢንተር - ጁቬንቱስ 7:00

ናፖሊ - ኣትላንታ 9:45

ቶሪኖ - ሚላን 9:45

መጉዳእቲ ካሮል ንዌስትሃም ኣሻቒሉትማሊ፡ እንግሊዛዊት ክለብ ዌስትሃም ተጻዋታያ ኣንዲ ካሮል ንነዊሕ ግዜ ካብ ጸወታ

ዘርሕቖ መጉዳእቲ ከምዝገጠሞ ምፍላጣ ሮይተርስ ሓቢሩ፣ እቲ ወዲ 24 ዓመት እንግሊዛዊ ኣጥቃዒ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ካብ ሊቨርፑል ብ15 ሚልዮን ፓውንድ ዝተሰጋገረ ኮይኑ፡ ኣብታ ንሓደ ዓመት ብመልክዕ ልቓሕ ዝጸንሓላ ለንደናዊት ክለብ ዝጥቀስ ኣበርክቶ ከይገበረ እዩ መሊሱ ካልእ መጉዳእቲ ክገጥሞ ክኢሉ፣ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት መጉዳእቲ ገጢምዎ ዝነበረ ካሮል፡ ተመሳሳሊ ማህሰይቲ እዩ ኣጓኒፍዎ፣ ኣሰልጣኒ እታ ክለብ ሳም ኣላርዲስ፡ ካሮል ገጢምዎ ዘሎ መጉዳእቲ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ግን ኣዝዩ ጽኑዕ ከምዘይከውን ዘለዎ እምንቶ ኣረዲኡ፣

ኣደባዮር ምስ ተቐየርቲ ተጻወትቲ ልምምድ

ከካይድ . . .ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ኣንድሬ ቪላስ

ቦኣስ፡ ኣማኑኤል ኣደባዮር ምስ ተቐየርቲ ተጻወትቲ ልምምድ ከካይድ ከምዝተወሰነሉ ሓቢሩ፣ እቲ ወዲ 29 ዓመት ተጻዋታይ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዘካየዶም 24 ጸወታታት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ሓሙሽተ ሸቶታት ጥራይ እዩ ኣመዝጊቡ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቶጎ ዝርከብ እቲ ተጻዋታይ፡ ኣብ ክለብ ቶተንሃም ድሕሪ ሮቤርቶ ሶልዳዶ ከምኡ እውን ጀርማይን ዲፎ ተሰሪዑ ሳልሳይ ኣጥቃዒ እታ ክለብ ኮይኑ ይርከብ፣ ኣደባዮር ክሳብ ሰኑይ ኣብ ቶጎ ክጸንሕ ብክለቡ ዕረፍቲ ተባሂብዎ ኣሎ፣

ዜና ብሓጺሩ= ኣብ ብርኩ ብዝገጠሞ ማህሰይቲ ካብ

ጸወታ ርሒቑ ዝጸንሐ ተኸላኻሊ ባርሴሎና - ካርሎስ ፑዮል ምሉእ ልምምድ ከካይድ ከምዝጀመረን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ድማ ናብ ጸወታ ናይ ምምላስ ተኽእሎኡ ልዑል ምህላዉን ሮይተርስ ገሊጹ፣ ድሕሪ ነዊሕ ብኩራት ኣብ ሰነ፡ ኣብ የማናይ ብርኩ መጥባሕቲ ዘካየደ ፑዮል መሊሱ ካልእ ተደጋጋሚ መጉዳእቲ ከምዝገጠሞ ይንገር፣ በዚ ድማ ካብ ሃገራዊት ጋንታ እስጳኛ ኣብ ውድድር ኮንፈደረሽን ከምኡ እውን ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ምስ ባርሴሎና 13 ጸወታታት ጥራይ ከካይድ እዩ ተገዲዱ፣ እቲ ‘ጨጓር’ ተኸላኻሊ ናብ ጸወታ ምምላሱ እታ ጋንታ ኣብ መስመር ምክልኻል ንዘለዋ ሕጽረት ዝቐርፍ ምዃኑ ኣሰልጣኒ ባርሴሎና - ማርቲኖ የረድእ፣ ንሱ፡ “ኣብ መወዳእታ ንሓለቓ ጋንታና ረኺብና” ኢሉ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ኣብ መጉዳእቲ ዝጸንሐ ሰርጆ ቡስኬት፡ ካብ መጉዳእቱ ሓውዩ ሎሚ ምሸት ምስ ሰቪያ ኣብ ዝካየድ ግጥም ከምዝስለፍ ሮይተርስ ገሊጹ፣ እቲ እስጳኛዊ ኣከፋፋሊ ብሰንኪ እቲ ማህሰይቲ ጋንታኡ ምስ ፊንላንድ ንዘካየደቶ ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ከምኡ እውን ግጥም ሕዝነት ምስ ቺለ ክቦኩር ከምዝተገደደ ይፍለጥ፣ ባርሴሎና ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚራ ኣብ ውሽጢ 19 መዓልታት ሽዱሽተ ጸወታታት ከተካይዳ እያ፣

** ** **

= ናይ ቅድም ኣጥቃዒ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ሉቺያኖ ፊጉዌራ ምስ ግሪኻዊት ክለብ ፓናቲናኮስ ንሓደ ዓመት መሊሱ ምፍራሙ ሮይተርስ ሓቢሩ፣ እቲ ወዲ 32 ዓመት ገዲም ተጻዋታይ፡ ኣብ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ፓናቲናኮስ ዝተሰጋገረ ኮይኑ፡ ኣብ ሸሞንተ ጸወታታት ሰለስተ ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ እዩ፣ ምስ ክለባት እንግሊዝ፡ እስጳኛን ኢጣልያን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተጻወተ ፊጉዌራ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና 15 ግዜ ዝተሰለፈ ኮይኑ፡ ምስታ ጋንታ ድማ ኣብ 2004 ውድድር ኦሎምፒ ኣተንስ ወርቂ መዳልያ ምውሳዱ ይፍለጥ፣ ፓናቲናኮስ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ካብ ዝተኻየዱ ሰለስተ ጸወታታት ኣርባዕተ ነጥቢ ጥራይ ብምውህላል ዓስራይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ፣

** ** **= ዝመጽእ ሓሙስ ዕጫ መደብ ጸወታ

ኦለይ ኦፍ መጻረዪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ክወድቕ እዩ፣ በዚ ድማ ትማሊ ሓሙስ ፊፋ ብዝዘርግሖ መሳልል ሃገራውያን ጋንታታት ዓለም፡ ሃገራት ኣይቮሪኮስት፡ ጋና፡ ኣልጀርያ፡ ናይጀርያን ቱኒዝያን ካብ ኣፍሪቃ ጸብለል ስለዝበላ ቀዳሞት ተረቋሕቲ ክኾና ክኢለን ኣለዋ፣ በዚ ድማ ምስ ዝተረፋ ሓሙሽተ ሃገራት ምስሪ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ካሜሩን ሰኔጋልን ኢትዮጵያን ዕጫ መደብ ጸወታ ክወድቀለን እዩ፣ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ንምድብ ክልተ ብቐዳምነት ደረጃ ዝዛዘመትን ናብ ዝቕጽል ደረጃ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ ዝነበረትን ኬፕ ቨርደ፡ ንቱኒዝያ 2ብ0 ኣብ ዝሰዓረቶ ግጥም ንዝተቐጽዐ ተጻዋታይ ብምስላፋ ቦታኣ ብቱኒዝያ ተታሒዙ ኣሎ፣ ፊፋ ነቲ ጉዳይ ድሕሪ ምምርማሩ ፈርናንዶ ቫሬላ ዝተባህለ ተጻዋታይ ኣብቲ ግጥም ምስላፉ ነቲ ስጉምቲ

ከምዝተወስደ ሮይተርስ ይሕብር፣

= ሎሚ ምሸት ኣብ ዝካየድ ግጥም ፕሪመር ሊግ ክለባት ቸልሲን ኤቨርተንን፡ ሓደስቲ ተጻወትቲ ቸልሲ ዝኾኑ ሳሙኤል ኤቶን ዊልያንን ነታ ጋንታ ክለምዱ ግዜ ከምዘድልዮም ሓለቓ ጋንታ ቸልሲ ጆን ቴሪ ተዛሪቡ፣ ብሞሪኖ ትእለ ዘላ ቸልሲ ካብ ሰለስተ ጸወታታት ሸውዓተ ነጥቢ ኣዋህሊላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ፣ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ካሜሩናዊ ኤቶ ንኣሰልጣኒ ሞሪኖ ኣዝዩ ይጸልኦ ምንባሩ ተናዚዙ፣ ሕጂ ግና ኣሰልጣኒኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ናይ ሂወቱ መማኽርቱ ምዃኑ ተዛሪቡ፣

** ** **= ኣጥቃዒ ሊቨርፑል ዳንኤል ስቱረጅ

ከምኡ እውን ኣሰልጣኒኡ በርናንድ ሮጀርን ተሸለምቲ ብሉጽ ተጻዋታይን ኣሰልጣኒን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ፣ ንውድድር ፕሪመር ሊግ ትመርሕ ዘላ ሊቨርፑል፡ ካብ ኣጥቃዒኣ ዳንኤል ስቱረጅ ብእትረኽበን ዘላ ሸቶታት ምሉእ ሰለስተ ነጥቢ ክትሓፍስ ተራእያ እያ፣ በዚ ድማ ክልቲኦም ኣባላት እታ ጋንታ ነቲ ሽልማት ከምዝበቕዑ ይትንተን፣ ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ንማንቸስተር ዩናይትድን ስቶክን ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ድማ ንኣስቶን ቪላ ምርትዓ ይፍለጥ፣

** ** **= ኣብ ዝሓለፈ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ

ወቕቲ እንግሊዛውያን ክለባት ብድምር 630 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ምክያደን ይንገር፣ እንተኾነ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተኻየዱ ግጥማት ምሕዝነት ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ጸወታታት ኣስታት 253.2 ሚልዮን ዝዋጋኦም ተጻወትቲ ብሰንኪ ዝገጠሞም ማህሰይቲ (ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዩ) ካብዚ ናይ ሎሚ ቀዳመ ሰንበት ጸወታታት ከምዝቦኽሩ ይግለጽ ኣሎ፣

** ** **

ተወሳኺ . . .= ሓያለ ዓበይቲ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ

ብጸወታ ጎልፍ ክዘናግዑ ይረኣዩ እዮም፣ በሃር ተጻዋታይ ክለብ ሚላን ዝነበረ ኣንድሬ ሼቭቼኮን ግን ነዚ ዓይነት ስፖርት’ዚ ካብ መዘናግዒ ሓሊፉ ብመልክዕ ፕሮፌሽናል ሒዝዎ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ፣ እቲ ተዓዋቲ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር 2004 ዝኾነ ተጻዋታይ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እኹል ልምምድ ከየካየደ ብምእታዉ ትሑት ውጽኢት ኣመዝጊቡ - ኣቓልቢ ብዙሓት ሰባት ድማ ስሒቡ ይርከብ፣

** ** **= ሎሚ መዓልቲ ንዝካየድ ግጥም

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ጋንታታት ሲቲን ስቶክን ሓለቓ ጋንታ ማን ሲቲ ቪንቸሰት ኮምፓኒ ከምዘየርክብ ተገሊጹ፣

** ** **= ሎሚ ምሸት ሚላን ምስ ቶሪኖ ኣብ

እተካይዶ ግጥም ሓድሽ ተጻዋታያ (ናብ ሚላን እዩ ካብ ሪያል ማድሪድ ተመሊሱ) ካካ ከምዝስለፍ ተሓቢሩ፣

** ** **= ውዕሉ ከምዘናውሕ ዝተገልጸሉ

ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኣርሰን ቨንገር፡ እቲ መስርሕ ምሕዳስ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ከምዝተቛረጸ ተገሊጹ፣

** ** **= ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዘይ ኣላዪ እትርከብ

ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኣየርላንድ፡ ንማርቲን ኦኔል ክትቖጽር ላዕልን ታሕትን ትብል ምህላዋ ተፈሊጡ፣ እቲ ኣሰልጣኒ ግን እታ ጋንታ ዝኾነ ርክብ ከምዘየካየደት እዩ ዝሕብር፣

** ** **

ኣጥቃዒ ሊቨርፑል ዳንኤል ስቱረጅን ኣሰልጣኒኡ በርናንድ ሮጀርን

Page 12: 2013 “ክህሉወልኪ እየ!”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_14092013.pdf · ህዝባዊ ሰራዊት መሰረት ‘ዶክትሪን’ (ሰረተ እምነት) ናይ’ዛ

ሓዳስ ኤርትራ 14 መስከረም 2013 - ገጽ 12

ሩት ተስፋይ

እቶም መናቱ1ይ ክፋል

ለዊን ሉቃስን መናቱ ኣሕዋት’ዮም። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ግን ምጭውትን ምዕብልትን ከተማ ከኣ ይነብሩ። ኣቦኦም ኣቶ ኣማኑኤል ኣውቲስታ ዓባይ መኪና ስለዝነበረ፡ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ መገሻ’ዩ ዘሕልፎ። ስለዚ ድማ ንስነ-ስርዓቶምን ትምህርቶምን ትከታተል ኣደኦም ወ/ሮ ሳራ እያ። እዞም ስድራ ደሓን ዝኾነ መነባብሮ’ዩ ዘለዎም። ስለዝኾነ ለዊን ሉቃስን ውራይ ትምህርቶምን ምዝንጋዕን እንተዘይኮይኑ ከምቲ ካልኦት ቈልዑ ናይታ ከተማ ኣብ ትርፊ ግዜኦም ንወለዶም ንምሕጋዝ ዝሰርሕዎ ስራሕ የለን። ኩሉ ዘድልዮም ነገር ንምርካብ ተሸጊሮም ኣይፈልጡን’ዮም።እዞም ደቂ 12 ዓመት

ብምስሊ ክትፈልዮም ኣሸጋሪ’ዩ። ብኽዳውንቶም ከይትፈልዮም ከኣ ዳርጋ ኩሉ መዓልቲ ሓደ ዓይነት ክዳውንቲ’ዮም ዝኽደኑ። ዋላ’ኳ መልክዖምን ቁመናኦም

ሓደ እንተነበረ ኣብ ጠባዮም ግን ኣይራኸቡን’ዮም። ለዊ ብዋዒ መትሓዚ የብሉን። ዳርጋ መዓልታዊ ከኣ ኣብ ሽግር ይኣቱ። ኩዑሶ ምጽዋት እንተዘይኮይኑ ልኡኽን መጽናዕትን ኣይፈቱን። ብሰንኩ ድማ ኣብ ትምህርቱ ሰነፍ’ዩ። ሉቃስ ግን ዓርኪ ኣደኡ’ዩ። ካብ ገዛ ብዙሕ ኣይወጽእን። እንተወጺኡ ድማ ነደኡ ዝተፈላለየ ፍሩታ ሒዙላ ይመጽእ። ካበይ ኣምጺእካዮ ከይበለት ከኣ ትም ኢላ ትቕበሎ። ትኣምኖ ስለዝነበረት ካብቲ ኣብ ካሳ ከእትዎ ዝወሃቦ ቊሩብ ገንዘብ ገይሩ ዝገዝኦ’ዩ ዝመስላ። ኣብ ትምህርቲ ኣዝዩ ንፉዕ’ኳ እንተዘይኮነ ካብ ለዊ ግን ይሓይሽ።ቀዳም ንለዊ ፍልይቲ

መዓልቲ’ያ። ቀዳም ቀዳም ግጥማት ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ቈልዑ ኣሎ። ለዊ ከኣ ምስ ጋንታኡ ኮይኑ ይጻወት። ሓደ ቀዳም ንግሆ ናይ ጸወታ ክዳውንቱ ኣብ ቦርሳኡ ጠራኒፉ እናተበገሰ፡

ኣደኡ መድሃኒት ንኸምጽኣላ ትነግሮ። ለዊ ከኣ “ሕጂ ናብ ጸወታ’የ ዝኸይድ ዘለኹ፡ ንሉቃስ ልኣኽዮ” በላ። ወ/ሮ ሳራ ግን ኣይገደፈቶን።“ተለኣኸኒ ኣንታ ለዊ ወደይ፡ ኩሉ

ግዜ ክትኣቢ።” በለቶ። ድሕሪ ጸወታ ንኽገዝኣላ ተሰማሚዑ ሰልድን ናይ ሓኪም መአዘዚ ወረቐትን ሒዙ ናብ ጸወታኡ ተመርቀፈ። ለዊ ናብቲ ሜዳ እናኸደ ከሎ፡ ሓደ ገዚፍ ጫማ ዝወደየ ኣዝዩ ዘፍርሕ ሰብኣይ በትሪ ኣብ ኢዱ ሒዙ ደድሕረኡ ክስዕብ ተዓዘበ። ኣካይዳ ናይቲ ሰብኣይ ኣፍርሖ። “ንምንታይ ይከታተለኒ ኣሎ?” ሓተተ ንነብሱ። ስለዝፈርሐ ናብ ከባቢኡ ቊሊሕሊሕ እናበለ ይስጉም። ነቲ ሰብኣይ ከኣ ተተገልቢጡ ይጥምቶ። ብኸምዚ ናብቲ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ በጽሐ። እቲ ገዚፍን ዘፍርሕን ሰብኣይ’ውን እግሪ እግሩ ናብቲ ሜዳ በጽሐ። ክጽበዩ ዝጸንሑ ደቂ ጋንትኡ ንለዊ፡ ምስ ርኣይዎ “ቀልጥፍ ቀልጥፍ ክዳውንትኻ ቀይር፡ ደንጒኻና ኢኻ ጸኒሕካ” በልዎ። ለዊ ብሃታ ሃታ ክዳውንቱ ቀይሩ ንጸወታ ተዳለወ። ነቲ ኣደኡ ዝሃበቶ ገንዘብን ናይ ሓኪም ወረቐትን ኣብ ጁባ ናይቲ ዝቐየሮ ክዳውንቲ ኣቐመጦ። ነቲ ክዳውንቱ ድማ ኣብ ሓደ ኲርናዕ ኣቐሚጡ እናጎየየ ውሽጢ ሜዳ ኣተወ። ጸወታ ንምዕዛብን ደገፍ ንምሃብን ኣብቲ ሜዳ ብዙሕ ሰብ ተኣከበ። ጋንታ ለዊ ብዙሓት ደገፍቲ’ዮም ዘለዉዋ። ለዊ ናብ ሜዳ ክኣቱ ምስ ርኣይዎ ከኣ “ለዊ! ለዊ!” እናበሉ ጨደሩ። እቲ ደድሕሪ ለዊ ናብቲ ሜዳ ዝመጸ ገዚፍ ሰብኣይ ንለዊ ይከታተሎ ነበረ። ክዳውንቱ ኣበይ ከምዘቐምጦ’ውን ርእይዎ’ዩ። ለዊ ግን እቲ ሰብኣይ ከምሰቡ ኩዑሶ ክርኢ ዝመጸ መሲልዎ ኣይተገደሰሉን።

ይቕጽልዊንታ ኣብርሃም

ሳዋ

ከመይ ቀኒኹም? በዓል ቅዱስ የውሃንስ ከመይ ሓሊፉ። ስጋ ጸጊብኩም ዶ? ሆየ ሆየ ኸ ከመይ ነይሩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ሆየ ወሊዐ ኣብ ጽርግያ ወጺአ ተሳገሩለይ እናበልኩ እጻወት ከም ዝነበርኩ ኣይርስዖን’የ። ሆየ ሆየ ግዝኡለይ ኢለ’ውን እርብሽ ነይረ’የ። ሕጂ ግና ጎቢዘ ግዲ ኮይነስ ኩሉ ገዲፈዮ። እዝከረኒ ኣብ ገዛና ጤል ወይ በጊዕ እንተዘይተገዚኣ ብብኽያት ገዛ ኣብ ክልተ’የ መቒለያ ዝውዕል ነይረ። ባባ ከኣ ምእንቲ ንዓይ ከሐጉስ ካብ ዘምጽአ ኣምጺኡ ይገዝኣለይ ከምዝነበረ ሕጂ’ዩ ዝፍለጠኒ ዘሎ። ሎሚ ክሓስቦ ከለኹ ግርም’ዩ ዝብለኒ። ገንዘብ ብኸመይ ከምዝመጽእ ኣይፈልጥን’የ ነይረ።በቐዳማይ ከኣ ነቲ ኣነ

ዝገብሮ ዝነበርኩ ሓደ ቈልዓ ኣዘኻኺሩኒ። ኣቦኡን ኣደኡን ስለዝተፋትሑ ምስ ኣደኡ’ዩ ዝቕመጥ። ኣደኡ ናይ ጽሬት እናሰርሐት’ያ ተዕብዮን ተምህሮን። ንሱ ከርተት ኢላ ተዕብዮ ከምዘላ ኣይፈልጥን’ዩ። እቶም ደቂ ገዛውቱ ቈልዑ እዮም ኣቕኒአሞ መስለኒ ነዲኡ ጤል እንተዘይገዚእክለይ ኢሉ ኣጨንቕ ኣቢልዋ። ሕጂ ኣይንገዝእን ኢና ደርሆ ሓሪድና ኢና ንውዕል እንተበለቶ ኣይሰምዓን። ገሊኦም ቈልዑ ከኣ “ንዓና ተገዚኡልና፡ ንዓኹም ግን ዘይተገዝኣልኩም” እናበሉ መመሊሶም ከምዝቐንእ ገበርዎ።

መን ይነፍዕ?1, ናቕፋ ኣበየናይ ዞባ ናይ ሃገርና ትርከብ?2, ኣብ መብራህቲ ትራፊክ ዝርከቡ ሕብርታት ካብ ላዕሊ

ንታሕቲ ብቐደም ተኸተል ጥቐስ። 3, ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ

እትስራዕ ሃገር መን’ያ? 4, ኣብ ዓለም ዝንኣሰት ሃገር መን ትበሃል?5, መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ሃገርና መዓስ ፈሊሙ? ክንደይ

ዓመትከ ገዚኡና?

መልሲ ናይ ዝሓለፈ1, 4 እዮም 2, 20 ነናይ 5 ሳንቲም ኣሎ 3, ኦክስጅንን(O)

ሃይድሮጅንን(H) 4, ናይ ቈልዓ ይቕልጥፍ 5, 55 ደቓይቕ ወሲዱላ

ዓብዱን ሓምድን ንሓንቲ ስራሕ ብሓንሳብ ኮይኖም ንኽሰርሕዋ ብ400 ናቕፋ ተሰማሚዖም። እታ ስራሕ ንኽትውዳእ ኣርባዕተ መዓልታት’ያ ወሲዳ። ሓደ መዓልቲ ግን ዓብዱ ስለዝበኾረ ሓምድ ናይ ክልቲኦም ስራሕ ባዕሉ ሸፊንዎ ወዓለ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ገንዘብ ብመጠን ዝሰርሕዎ ብዝሒ መዓልታት ክማቐልዎ እንተኾይኖም ዓብዱ ክንደይ ይኽፈል? ሓምድ ከ?

መልሲ ናይ ዝሓለፈ

ማልስ ኣይክተርፎን’ዩ

ከዕልለኩም ዶ?

ደሓር ግን ሓደ ሓሳብ ሓሲብና፡ ነታ ባባ ዝገዝኣ ጤል ናትኩም’ያ ኢልናዮ። ሕጉስ ኢሉ ከኣ ማይ ከስትያን ዝብላዕ ክህባን ወዓለ። ምስ ተሓርደት ማማ ድሎትን ሓንቲ እግርን ካብኡ ሓቢኣ ነዲኡ ሂባታ። ንሱ ስጋ ጥራይ ይርአ’ምበር በየን መጺኡ ኣይዓጦን’ዩ። ነታ ናትኩም’ያ ዝተባህለቶ ጤል ምስ ርኣየ ቀሲኑ’ዩ።ፍቱዋት ቈልዑ ወለድና ካባና

ኣብሊጾም ዝርእይዎ የለን። ንሕና ክንሕጎሰሎም ከኣ ኣይጸልኡን’ዮም። ገንዘብ እንተዘይአኺሉሎም ግን ኩሉ ዘድልየና ክገዝኡልና ኣይክእሉን’ዮም። ዓቕሚ ሓጺርዎም ዘዝኣዘዝናዮም እንተዘይገዚኦምልና ክንርዳኦም’ምበር ግድን እንተዘይተገዝኣልና ክንብል የብልናን። ቈልዑ ስለዝኾና ኢና’ምበር ደሓር ምስ ዓበና’ኮ ክርደኣና’ዩ። ስለዚ ሰብ ከም ዓቕሙ ከም ዝነብር ፈሊጥና ሓደራ ንወለድና ንሓግዞም ደኣ’ምበር ዘዝረኣናዮ ግዝኡልና እናበልና ኣይነሸግሮም።

ግድል