ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ...

12
መበል 24 ዓመት ቁ.301 ሰሉስ 07 ሓምለ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ብመሪር ቃልስን መስዋእትን ናጽነታ ዝጨበጠትን ዘውሓሰትን ሃገር ምህናጽን ምዕቃብን፡ ግደ ናይ’ዚ ዘሎ ወለዶ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ መንእሰያት ራእይ ህዝቢ ክውን ንምግባር ብኣድማዕነት ክነጥፉ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣዘኻኺሩ። “መንእሰይ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይተዓጠቕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ25ን 26ን ሰነ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተቓንዐ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ኣቶ ሳልሕ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ዝኸኣለ፡ ብቐንዱ ብሓያል ንቕሓትን ውዳቤን መንእሰያት ምዃኑ ብምሕባር፡ ማሕበር ዝያዳ ሓዪሉ ንጹር ራኢ ዘለዎም መንእሰያት ንምፍራይ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኩሉ ኣባል ሕብረተ-ሰብ እጃሙ ከበርክት ጸዊዑ። ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ምስልጣን ካድራት፡ ምቛም ክለባት ቀያሕቲ ዕንባባ፡ ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያት፡ ከምኡ’ውን ብሃማመተኤ ተወዲቡ ዝወሃብ ሞያዊ ስልጠናታት ንዝምልከት ንጥፈታት ክግምገም እንከሎ፡ ብመሰረት ውጥን ኣብ ዝተተግበሩ መደባት ስራሕ ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱ። ሓላፊ ጨንፈር ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩሉ መዳያዊ ንቕሓት መንእሰያት ንምብራኽ ብምውህሃድ ኣካላት መንግስቲን ግንባርን ዝተፈላለዩ መደባት ከምእተዓሙ ጠቒሱ፡ ዝቐርቡ ጸብጻባት መሰረት ዕዉት ውጥንን ትግባሬን ምእንቲ ክኾኑ፡ ብግዜን ኣሃዛትን ክስነዩ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ንቕሓት መንእሰያት ንምብራኽን ቅኑዕ ማእዝን ንምትሓዝን ዝካየዱ ሰሚናራትን ጎስጓሳትን ክድፋኣሎም፡ ክለባት መንእሰያትን መሰልጠኒ ማእከላትን ሕጽረታተን ክማላእ፡ ከምኡ’ውን ኣብነታውያን መንእሰያት ዝተባብዑሉ ባይታ ክፍጠር ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ ኣብ ዘስመዖ ናይ መዛዘሚ ቃል፡ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ብብቕዓትን ኣፍራይነትን ዓቕሚ ሰባ ብቐንዱ ድማ ብናይ መንእሰያት ስለዝልካዕ፡ መንእሰያት ካብ ዘይተደልዩ ባህርያት ርሒቖም ንሃገሮምን ህዝቦምን ኣብ ዘርብሕ ዕማማት ክነጥፉ ኣተሓሳሲቡ። *** “ሃገር ምህናጽን ምዕቃብን ግደ ናይ’ዚ ዘሎ ወለዶ’ዩ” ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣብ ንኡስ ዞባታት ሃይኮታን ሻምብቆን ዘሎ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክብ ንምባል፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብትካላት ትምህርትን ሞያውያንን ዝካየድ ጻዕሪ፡ ሕብረተ-ሰብ ተራኡ ከሐይል መተሓሳሰቢ ቀሪቡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም፡ ዘይ ምኽኑይ ምቊራጽ፡ መርዓ ኣብ ንኡስ ዞባታት ሃይኮታን ሻምብቆን ተሳትፎ ተመሃሮ ክብ ንምባል፡ ተራ ሕብረተ-ሰብ ክሕይል መተሓሳሰቢ ቀሪቡ ትሕቲ ዕድመን ተመሃሮ ኣብ ግዝያዊ ስራሕ ምውፋርን ካብ ዓበይቲ ጠንቅታት ትሑት ተሳታፍነት ምዃኖም ክጥቀስ እንከሎ፡ ወለዲ ደቆም ረኺቦሞ ንዘለዉ ዕድል ትምህርቲ ብግቡእ ንኽጥቀሙሉ፡ ክከታተልዎምን ከተባብዕዎምን ኣገዳሲ ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ከምህሮም ዝጸንሐ 347 ተመሃሮ፡ ብ5 ሓምለ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኮለጅ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብደረጃ ዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። እቶም ብዓውድታት ሕሳብ፡ ምሕደራ ዋኒን፡ስነ-ቊጠባ፡ፋይናንስ፡ህዝባዊምሕደራን ባንኪንግን፡ ከምኡ’ውን ቱሪዝምን ምሕደራ ሆቴልን ዝተመረቑ፡ 175 ብዲግሪ፡ 172 ድማ ብዲፕሎማ’ዮም። ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ መንእሰያት ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ- ፍልጠት ተዋፊሮም ሓበን ህዝቦምን ሃገሮምን ክኾኑ ምርኣይ ካብኡ ዝዓቢ ዓወት ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ሕብረተሰብና ንኣገዳስነት ትምህርቲ ኣሻማዊ ብዘይኮነ መገዲ ዝኣመነሉ ምዃኑ ሓቢራ። “ኩሉ ይመሃር፡ ዝተመሃረ ይምሃር፡ ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ ዘይተማህረ ድማ ይመሃር” ዝብል ኣተሓሳስባ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ትምህርቲ ካብ ዘለዎ ርድኢት ዝነቅል ምዃኑ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣስካሉ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ባጀትን ልዑል ጻዕሪን ድማ መቐጸልታ ናቱ ከምዝኾነ ኣብሪሃ። ዲን ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ ዶክተር እስቲፋኖስ ሃይለማርያም ብወገኑ፡ ራኢ’ቲ ኮለጅ፡ ዜጋታት ምስ ንግድን ስነ-ቊጠባን ዝዛመድ ሞያን ፍልጠትን ዓጢቖም፡ ኣብ ህንጸት ሃገር ልዑል እጃም ከምዘበርክቱ ንምግባር ምዃኑ ብምሕባር፡ እዚ ድማ በቲ መንግስቲ ዝህቦ ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዝኸይድ ብምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ኣረዲኡ። ወኪል ተመረቕቲ ድማ፡ “ትምህርቲ ብሓፈሻ ፍልጠት ድማ ብፍላይ፡ ከም ጸጋ ኣብ መቓን ንቕሓት ኣትዩ እንተ ተሰሪሑሉ፡ ንዝሓለፈ ዕድላት ዓጸፋ እንመልሰሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን” ብምባል፡ ምስ ንግድን ስነ-ቊጠባን ንዝተሓሓዙ ንጥፈታት ንምድራዕ ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም። ኣብ 2004 ዝተመስረተ ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ሎሚ ዓመት ንሻምናይ ግዜኡ’ዩ ዘመርቕ ዘሎ። ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል ገጽ 4 ኮለጅ ሓልሓለ - “ብውሑድ ወጻኢታት ዝለዓለ ውጽኢታት” ገጽ 5 ኣረፋይነ፡ ካብ ሕውነታዊ ፍቕሪ - ሃገራዊ ክብሪ ገጽ 6 ስነ ስርዓት መመረቕታ ኮለጅ E.I.T ገጽ 9 ሓደጋ ዝበዝሖ ሳልሳይ መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ ገጽ 12 ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ ንዕቑር ነዳዲ ደሴታት ፎክላንድስ ዝዕድና ኩባንያታት ስጉምቲ ተሳታፍነት ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኣብ ታሪኽ ስፖርት ኤርትራ ዓቢን ፍሉይን ምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ድማ ሓበን ከምዝኾነ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ‘ተሳታፍነት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ንኤርትራን ኣፍሪቃን ሓበን’ዩ’ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ገሊጹ። ብ4 ሓምለ ኣብ ከተማ ኡትረኽት - ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ናይቲ ውድድር ዝተረኽበ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎን ናብ ባህሊ ገጹ ዝምዕብል ዘሎን ፍትው ስፖርታዊ ንጥፈት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ነዚ

Upload: others

Post on 05-Nov-2020

2 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

መበል 24 ዓመት ቁ.301 ሰሉስ 07 ሓምለ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ብመሪር ቃልስን መስዋእትን ናጽነታ ዝጨበጠትን ዘውሓሰትን ሃገር ምህናጽን ምዕቃብን፡ ግደ ናይ’ዚ ዘሎ ወለዶ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ መንእሰያት ራእይ ህዝቢ ክውን ንምግባር ብኣድማዕነት ክነጥፉ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣዘኻኺሩ።“መንእሰይ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡

ይተዓጠቕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ25ን 26ን ሰነ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተቓንዐ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ኣቶ ሳልሕ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ዝኸኣለ፡ ብቐንዱ ብሓያል ንቕሓትን ውዳቤን መንእሰያት ምዃኑ ብምሕባር፡ ማሕበር ዝያዳ ሓዪሉ ንጹር ራኢ ዘለዎም መንእሰያት ንምፍራይ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኩሉ ኣባል ሕብረተ-ሰብ እጃሙ ከበርክት ጸዊዑ።ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ምስልጣን ካድራት፡

ምቛም ክለባት ቀያሕቲ ዕንባባ፡ ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያት፡ ከምኡ’ውን ብሃማመተኤ ተወዲቡ ዝወሃብ ሞያዊ ስልጠናታት ንዝምልከት ንጥፈታት ክግምገም እንከሎ፡ ብመሰረት ውጥን ኣብ ዝተተግበሩ መደባት ስራሕ ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩሉ መዳያዊ ንቕሓት መንእሰያት ንምብራኽ ብምውህሃድ ኣካላት መንግስቲን ግንባርን ዝተፈላለዩ መደባት ከምእተዓሙ ጠቒሱ፡ ዝቐርቡ ጸብጻባት መሰረት ዕዉት ውጥንን ትግባሬን ምእንቲ ክኾኑ፡ ብግዜን ኣሃዛትን ክስነዩ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ንቕሓት

መንእሰያት ንምብራኽን ቅኑዕ ማእዝን ንምትሓዝን ዝካየዱ ሰሚናራትን ጎስጓሳትን ክድፋኣሎም፡ ክለባት መንእሰያትን መሰልጠኒ ማእከላትን ሕጽረታተን ክማላእ፡ ከምኡ’ውን ኣብነታውያን መንእሰያት ዝተባብዑሉ ባይታ ክፍጠር ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ

ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ ኣብ ዘስመዖ ናይ መዛዘሚ ቃል፡ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ብብቕዓትን ኣፍራይነትን ዓቕሚ ሰባ ብቐንዱ ድማ ብናይ መንእሰያት ስለዝልካዕ፡ መንእሰያት ካብ ዘይተደልዩ ባህርያት ርሒቖም ንሃገሮምን ህዝቦምን ኣብ ዘርብሕ ዕማማት ክነጥፉ ኣተሓሳሲቡ።

***

“ሃገር ምህናጽን ምዕቃብን ግደ ናይ’ዚ ዘሎ ወለዶ’ዩ” ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ

ኣብ ንኡስ ዞባታት ሃይኮታን ሻምብቆን ዘሎ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክብ ንምባል፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብትካላት ትምህርትን ሞያውያንን ዝካየድ ጻዕሪ፡ ሕብረተ-ሰብ ተራኡ ከሐይል መተሓሳሰቢ ቀሪቡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣብ ዝተገብረ

ገምጋም፡ ዘይ ምኽኑይ ምቊራጽ፡ መርዓ

ኣብ ንኡስ ዞባታት ሃይኮታን ሻምብቆን ተሳትፎ ተመሃሮ ክብ ንምባል፡ ተራ

ሕብረተ-ሰብ ክሕይል መተሓሳሰቢ ቀሪቡ

ትሕቲ ዕድመን ተመሃሮ ኣብ ግዝያዊ ስራሕ ምውፋርን ካብ ዓበይቲ ጠንቅታት ትሑት ተሳታፍነት ምዃኖም ክጥቀስ እንከሎ፡ ወለዲ ደቆም ረኺቦሞ ንዘለዉ ዕድል ትምህርቲ ብግቡእ ንኽጥቀሙሉ፡ ክከታተልዎምን ከተባብዕዎምን ኣገዳሲ

ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ከምህሮም ዝጸንሐ 347 ተመሃሮ፡ ብ5 ሓምለ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኮለጅ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብደረጃ ዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።እቶም ብዓውድታት ሕሳብ፡ ምሕደራ

ዋኒን፡ ስነ-ቊጠባ፡ ፋይናንስ፡ ህዝባዊ ምሕደራን ባንኪንግን፡ ከምኡ’ውን ቱሪዝምን ምሕደራ ሆቴልን ዝተመረቑ፡ 175 ብዲግሪ፡ 172 ድማ ብዲፕሎማ’ዮም።ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ

መንቆርዮስ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ መንእሰያት ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ-ፍልጠት ተዋፊሮም ሓበን ህዝቦምን ሃገሮምን ክኾኑ ምርኣይ ካብኡ ዝዓቢ ዓወት ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ሕብረተሰብና ንኣገዳስነት ትምህርቲ ኣሻማዊ ብዘይኮነ መገዲ ዝኣመነሉ ምዃኑ ሓቢራ። “ኩሉ ይመሃር፡ ዝተመሃረ ይምሃር፡

ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ

ዘይተማህረ ድማ ይመሃር” ዝብል ኣተሓሳስባ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ትምህርቲ ካብ ዘለዎ ርድኢት ዝነቅል ምዃኑ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣስካሉ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ባጀትን ልዑል ጻዕሪን ድማ መቐጸልታ ናቱ ከምዝኾነ ኣብሪሃ።ዲን ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ

ዶክተር እስቲፋኖስ ሃይለማርያም ብወገኑ፡ ራኢ’ቲ ኮለጅ፡ ዜጋታት ምስ ንግድን ስነ-ቊጠባን ዝዛመድ ሞያን ፍልጠትን ዓጢቖም፡ ኣብ ህንጸት ሃገር ልዑል እጃም ከምዘበርክቱ ንምግባር ምዃኑ ብምሕባር፡ እዚ ድማ በቲ መንግስቲ ዝህቦ ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዝኸይድ ብምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ኣረዲኡ።ወኪል ተመረቕቲ ድማ፡ “ትምህርቲ

ብሓፈሻ ፍልጠት ድማ ብፍላይ፡ ከም ጸጋ ኣብ መቓን ንቕሓት ኣትዩ እንተ

ተሰሪሑሉ፡ ንዝሓለፈ ዕድላት ዓጸፋ እንመልሰሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን” ብምባል፡ ምስ ንግድን ስነ-ቊጠባን ንዝተሓሓዙ ንጥፈታት ንምድራዕ ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።ኣብ 2004 ዝተመስረተ ኮለጅ ንግድን

ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ሎሚ ዓመት ንሻምናይ ግዜኡ’ዩ ዘመርቕ ዘሎ።

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽልናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ገጽ 4

ኮለጅ ሓልሓለ - “ብውሑድ ወጻኢታት ዝለዓለ ውጽኢታት”

ገጽ 5

ኣረፋይነ፡ ካብ ሕውነታዊ ፍቕሪ - ሃገራዊ ክብሪ

ገጽ 6

ስነ ስርዓት መመረቕታ ኮለጅ E.I.T

ገጽ 9

ሓደጋ ዝበዝሖ ሳልሳይ መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ

ገጽ 12

ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ ንዕቑር ነዳዲ ደሴታት ፎክላንድስ ዝዕድና

ኩባንያታት ስጉምቲ

ተሳታፍነት ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኣብ ታሪኽ ስፖርት ኤርትራ ዓቢን ፍሉይን ምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ድማ ሓበን ከምዝኾነ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን

‘ተሳታፍነት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ንኤርትራን ኣፍሪቃን ሓበን’ዩ’ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ

ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ገሊጹ።ብ4 ሓምለ ኣብ ከተማ ኡትረኽት

- ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ናይቲ ውድድር ዝተረኽበ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ቅድድም ብሽክለታ

ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎን ናብ ባህሊ ገጹ ዝምዕብል ዘሎን ፍትው ስፖርታዊ ንጥፈት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ነዚ

Page 2: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ሎሚ ሰሉስ 07 ሓምለ መደባት ERI-TVሰዓት መደብ

12፡00 ካርቱን 12፡30 ዜና ትግርኛ12፡50 ኣብዚ ሰሙን’ዚ 13፡30 ዜና ዓረብ13፡50 ሕዋራት14፡20 ኖሪት 15፡15 CHINE’S FILM 15፡55 NEWS HIGHLIGHTS16;05 TRANSIT 116፡30 ፓኖራማ17፡10 ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ18፡25 Hot tracks19፡00 ዜና ትግረ 19፡20 CHINE’ FILM20፡00 ዜና ዓረብ20፡20 ህድግ 21፡00 ዜና ትግርኛ21፡30 ስፖርት22፡15 ዜና እንግሊዝ22፡30 DOC/FILM23፡00 ህርመት

ሞት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ኣብ ርሑቕ ገጠራት ንምቊጽጻር፡ ወለንታውያን ጥዕና ዓዲ ብምስልጣን ኮም ዝመርሖ ውሁድ ኣገባብ ኣተሓኻኽማ ይተኣታቶ ከምዘሎ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ወኪል ጨንፈር ስድራ-ቤትን ኮምን ኣቶ ተኽለ ተስፋማርያም ሓቢሩ።ኣቶ ተኽለ ነዚ ዝገለጸ፡ ካብ ኩለን

ንኡሳን ዞባታት ተዋጺኦም ዝሰልጠኑ ወለንታውያን ጥዕና ዓዲ ኣብ ዝተመረቑሉ ኣጋጣሚ’ዩ።ንሱ ኣብ ሓበሬታኡ፡ ኣብ ምሕድግ

ዝበለ ከባቢታት ዝነብሩ ህጻናት፡ ከም’ቲ ዝድለ ንኩነታት ጥዕናኦም ዝከታተል በዓል ሞያ ስለዘይጸንሐ፡ ነዚ ጸገማት’ዚ ንምፍዋስ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ንወለንታውያን ወከልቲ ጥዕና ዓዲ እኹል ስልጠና ብምሃብን መሳርሒታት

ዓንሰባ፡ ሞት ህጻናት ንምንካይ፡ ኮም ዝመርሖ ውሁድ ኣገባብ ሕክምና ይተኣታቶ

ብምዕጣቕን፡ ኣብ 165 ዓድታት ልዕሊ 210 ወለንታውያን ተዋፊሮም ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ

ዓንሰባ ዶክተር ከሰተብርሃን ሰለሙን ብወገኑ፡ ሳላ ተገዳስነት ወለንታውያን ጥዕና ዓዲ ዓበይቲ ዓወታት ይምዝገብ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ዓቕሚታቶምን ዕጥቆምን ብምምዕባል ብዝሓየለ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።ወለንታውያን ወከልቲ ጥዕና

ዓዲ ብወገኖም፡ ወፊሮምሉ ዘለዉ ጥዕና ዜጋታት ናይ ምውሓስ ዕማም ብኣድማዕነት ምትግባር፡ እቲ ሞያ ዘሰክሞም ሓላፍነት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ብተወፋይነት ክሰርሑሉ ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና እኹል መሳርሒታትን ኣፋውስን ክቕርበሎም ተላብዮም።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሓይነባ - ነበርቲ ዓድታት ሓይነባ፡ ዑቡኽለደገን ዓሳዳጋን ዝነበሮም ናይ መጓዓዝያ ጸገም ንምፍታሕ፡ ካብ መስመር ዓዲቐይሕ - ኣስመራ ናብ ዓድታቶም ዘእቱ 7 ኪሎ-ሜተር ሓድሽ ጽርግያ ከምዝጸረጉ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ጀማል መሓመድ ሽፋ ሓቢሩ።ቅድሚ ሕጂ፡ ነበርቲ’ተን

ዓድታት ናብ ከተማ ይኹን ናብ ካልእ ቦታታት ንምንቅስቓስ ብሓፈሻ፡ ሕሙማትን ነብሰ-ጾራትን ናብ ትካል ጥዕና ንምብጻሕ ድማ ብፍላይ ይሽገሩ ምንባሮም

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓይነባ፡ ናብ ዓዶም ዘእቱ ጽርግያ ጸሪጎም

ዝጠቐሰ ኣቶ ጀማል፡ ነዚ ንምቅላል ጽርግያ ኪጸርጉ ተበግሶ ከምዝወሰዱ ኣረዲኡ።ነቲ ስራሕ ንምዕዋት ህዝቢ

ልዕሊ 436 ሽሕ ናቕፋ ኣብ ርእሲ ምውጽኡ፡ ብድሌትን ሓያል ኒሕን ብጉልበቱ ከምእተሳተፈ ብምግላጽ ድማ፡ ህዝቢ ነቲ ተሰሪሑ ዘሎ ጽርግያ ክከናኸኖ ተላብዩ።ነበርቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ድማ፡

ናብ ዓዶም ዘእቱ ጽርግያ ስለዘይነበረ ከቢድ ጸገም ከምዝነበሮም ብምዝካር፡ ሳላ ዝጸረግዎ ጽርግያ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ መስተርሆት ከምዝረኸቡ ሓቢሮም።

‘ተሳታፍነት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ . . .

ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ኣብ ንኡስ ዞባታት ሃይኮታን ሻምብቆን . . .

ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ሓለፍቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ

ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ መንግስቲ ዜጋታቱ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ ኣብ ቀረባኦም ትካላት ትምህርቲ ኣዋዲዱ ከብቅዕ፡ ብዙሓት ኣብያተ-ትምህርቲ ትሕቲ ዓቕመን ቊጽሪ ተመሃሮ የአንግዳ ምህላወን ጠቒሶም፡ ነቲ ተርእዮ ንምግታእ ሕብረተ-ሰብ ቀላሲ ተራ ክጻወት ኣዘኻኺሮም። ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ

ጋሽ-ባርካ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም ብወገኑ፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ተሳታፍነት ተመሃሮ ንምዕባይ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ዋሕዲ መምህራን ንምምላእ’ውን ሓደስቲ መምህራን ናይ ምስልጣን መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ብምምልካት፡ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ወለዲ ድማ ብፍላይ ቀጻልነት ደቆም ኣብ ትምህርቲ ከረጋግጹ ጸዊዑ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ፡ ብ4 ሓምለ ምስ ሓለፍቲ ማሕበረ-ኮማት ናይ ኩለን ከተማታትን ከባቢታትን እስራኤል ርክብ ብምግባር፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርን ተራ ዜጋታት ኣብ መደባት መኸተን ልምዓትን ዘትዩ።ኣብቲ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝተኻየደ

ኣኼባ፡ ኣምባሳደር ተስፋማርያም፡ ከም መቐጸላታ ናይ’ቲ ኣንጻር ኤርትራ ክግበር ዝጸንሐ ተጻብኦታት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ’ውን ብስም “ሰብኣዊ መሰላት” ምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ሽርሕታት ይካየድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ዜጋታት ብንቕሓት ክገጥምዎ ኣዘኻኺሩ።ኣስዒቡ ኣምባሳደር ተስፋማርያም፡ ኣብ

ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ምስ ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታት ኣብ ኣህጉርና መዳርግቲ ዘይብሉ ገስጋስ ኣብ ጽላታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ውሕስነት መግቢ፡ ብሓፈሽኡ ድማ ምርግጋጽ ምዕሩይ ዝርግሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከምእተመዝገበ ኣብሪሁ። ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ዝካየድ ዘሎ

ናይ ጸለመ ዘመተ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ መትከልና ጸኒዕና ንቕድሚት ንኽንስጒም ዝድርኽ ሓድሽ ምዕራፍ

ኣምባሳደር ተስፋማርያም ተኸስተ፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገር ዘትዩ

ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “ሓድነትናን ጥርናፈናን ኣትሪርና፡ ኣብ ጎኒ መንግስትናን ህዝብናን ደው ኢልና ቃልስናን መኸተናን ብዝበለጸ ከነሐይል

ኢና” ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ስድራ

ስውኣት ንምሕጋዝን ንምጥዋርን ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ሓቂ’ዚ ኣጒሊሑ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።መበል 102 ውድድር ቱር ዲ

ፍራንስ ቀዳም 4 ሓምለ 13.8 ኪሎሜተር ብዝሸፈነ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ከምዝጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ወዲ 24 ዓመት ኣውስትራልያዊ ሮሃን ደኒስ ኣብ ታሪኽ’ቲ ውድድር ተሃሪሙ ዘይፈልጥ 55.4 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት ብምሕንባብ ብ14 ደቒቕን 56 ካልኢትን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ስሙያት ተቐዳደምቲ ጀርመናዊ ቶኒ ማርቲንን ስዊዘርላንዳዊ ፋብያን ካንቸላራን ድማ ብ5ን 6ን ካልኢት

ድሒሮም ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞም።ነቲ ውድድር ኣብ ምጅማር ቀዳማይ

ኮይኑ ዝተሰርዐ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ካብ ዕዉት ናይ’ቲ ውድድር ብ1 ደቂቕን 34 ካልኢትን ድሒሩ መበል 142 ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፡ መበል 45 ዝተበገሰ መርሃዊ ቅዱስ ድማ ብ16 ደቂቕን 47 ካልኢት ውድድሩ ዛዚሙ።ነቲ 198 ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎ

ውድድር፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ምጅማሩ በቲ ሓደ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ ድማ ንደቂ ሃገሮም ዘርኣይዎ ውዕውዕ ደገፍ ኣቓልቦ ማዕከና ዜና ከምዝሰሓቡ፡ ካብቲ ብቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።ኣብ ዓለምና ብዕቤቱ ኣብ ቀዳማይ

ደረጃ ዝስራዕ ውድድር፡ ክሳብ 26 ሓምለ ክቕጽል’ዩ።

Page 3: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 3

ስርቂ ካብ ጁባ ሓደ ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣሰከፍትን ዝውቱራትን ገበናትን’ዮም። ባህሪ ደቂ ሰባት ዝተፈላልየ ከም ምዃኑ መጠን መብዛሕትኡ ምስ ግዜ እናተቐዳደመ ስራሓቱ እንከካይድ፡ ሓደ ሓደ ድማ ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሰ ተግባራት ስርቂ ይዋፈሩ። ካልኦት’ውን ይብዛሕ ይውሓድ፡ ይጥቀም ኣይጥቀም ካብ ጁባን ቦርሳታትን ሰሪቖም ንኽረብሑ ድቃስ ዝስእኑ፡ ዝጣበቡ፡ ብዙሓት’ዮም። እዞም ኣብ ስርቂ ካብ ጁባን

ቦርሳታትን ዝዋፈሩ ሰረቕቲ ብዕድመ ደረጃ እንክርእዮም፡ ትሕቲ ዕድመ ኮተቴ፡ መንእሰያት፡ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡን ልዕሊ ዕድመን ይርከብዎም። ብጾታ ደረጃ’ውን ዋላ’ኳ መብዛሕትኦም ኣብ ስርቂ ካብ ጁባን ቦርሳታትን ዝዋፈሩ ደቂ ተባዕትዮ እንተኾኑ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ዝረኣያሉ ገበን’ዩ። ስለዚ “እዝስ ንእሽቶ’ዩ፡” “እዚኣስ ጓል ኣንስተይቲ’ያ” ኢልካ ሽለለትነት ኣተሓሕዛ ኣብ እተርእየሉ እቶም ልማደኛታት ክረኽቡኻ ይኽእሉ። ገንዘብካ ለኪሞም ድማ ካብ ኩሉ መደባትካ ይዕንቅፉኻ።

ስርቕን ሰረቕትን ንምግታእኤርምያስ ኣስፍሃ

ገበናት ስርቂ ብዝተፈላለዩ መንገድታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜያትን የጋጥሙ። ስርቂ ካብ ጁባ፡ ካብ መኪና ካብ ትካላትን ገዛን ከኣ ካብቶም ዘጋጥሙ ዓይነታት ስርቂ’ዮም። ግዳይ’ዞም ዓይነት ስርቂ ንኸይንኸውን ከነዘውትሮም ዘለና ጥንቃቐታት በብሓደ ከነብርሆም ክንፍትን ኢና። ስርቂ ካብ ገዛን ትካላትን ስርቂ ካብ ገዛን ትካላትን ብዝተፈላለየ መልክዕ ከጋጥም ዝኽእል’ዩ።

መብዛሕትኡ ኣብ እዋን ድቃስ ብለይቲ ዘጋጥም ኮይኑ ብቐትሪ’ውን ከጋጥም ዝኽእል’ዩ። ኣብ ስርቂ ካብ ገዛን ትካላትን ዝዋፈሩ ሰባት፡ ነቲ ስርቂ ማዕጾን መሳኹትን ገዛ ብምስባር፡ ዘሊሎም ናብ ገዛ ብምእታዉ ተመሳሳሊ መፋትሕ ብምስራሕን’ዮም ዘካይድዎ። ስለዚ፡ መናድቕ፡ መዓጹን መሳኹትን ገዛናን ትካልናን ድልዳሊኦም ውሑስ ምዃኑን ሰረቕቲ ክደፍርዎ ከም ዘይኽእሉን ከነረጋግጽ የድሊ።ካብ ተመኩሮ ከም ዝተረጋገጸ፡ ዝኾነ ሰራቒ ኣብ ገዛኻን ትካልካን እንታይ

ንብረትን ገንዘብን ኣሎን የለን እኹል መጽናዕቲ ኣካይዱ’ዩ ዝሰርቕ። ንብረትናን ገንዘብናን መዕጸዊኡ ሰንኮፍ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክነቐምጥ ኣይግባእን። ኣብ ጽኑዕ መዕጽዊን ሓለዋ ኣብ ዘለዎን ቦታ ከነቐምጦ ይግባእ። ካልእ ዝበዝሑ ካብ ገዛ ዝሰርቁ ሰረቕቲ ፈለማ ንኽሽነ ናይቲ ገዛ’ዮም ዘቋምቱ። ምኽንያቱ፡ “ከም ዕትሮ ጋዝ ዝኣመሰለ ንብረት ኣብ ክሽነ ይቕመጥ’ዩ” ዝብል ግንዛቤ ስለዘለዎም። ዝበዝሑ ሰብ ገዛ’ውን ንኽሽነ ብግቡእ ከይዓጸውዎ ስለዝድቁሱን ዝንቀሳቐሱን ንሰረቕቲ ምቹእ ባይታ’ዩ።ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ትካልካን ገዛኻን ክብር ዝበለ ንብረትን ብዝሕ ዝበለ ገንዘብን

ኣቐሚጥካ ከተብቅዕ ብዘይ ዝኾነ ሓለዋ ገዝኦምን ትካሎምን ዝገድፉ ሰባት የጋጥሙ’ዮም። ነዚ ዘጽንዑ ሰረቕቲ ከኣ ንኽሰርቑ ድሕር ኣይብሉን። ሰለዚ ኣብ እንገሸሉን እንቀሳቐሰሉን እዋን ትካልናን ገዛናን ብቐሊሉ ክድፈር ከም ዘይክእል ምርግጋጽ ግዳይ ስርቂ ካብ ምዃን ከድሕነና ይኽእል’ዩ። ካልእ፡ ገለ ሰባት ኣብ ገዝኦምን ዝውንንዎ ትካልን ብዘይ ዝኾነ

ውሕስነት ሰረሕተኛ ይቖጽሩ’ሞ ኣብ መወዳእቱ እቲ ዝቖጸርዎ ሰብ ንብረቶምን ገንዘቦምን ጓሕጊዎም ይስወር። ዝኾነ ውሕስነት ስለዘይገበርሉ ኸኣ ንኽረኽብዎ ይጽገሙ። ስለዚ፡ ኣብ ገዛኻን ትካልካን መን ትቖጽር፡ ኣድራሽኡን ዝሕተተሉን ሰብ ብግቡእ ፈሊጥካ ምቑጻር ነቲ ከጋጥመካ ዝኽእል ገበን ኣቐዲምካ ምክልኻል ማለት’ዩ።ኣብ ገዛኻ ይኹን ትካልካ ገበን ስርቂ እንተተፈጺሙ ከኣ ኣብ እዋኑ

ናብ ፖሊስ ጥርዓን ምቕራብ የድሊ። ኣብ ገዛኻን ትካልካን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝኣተው’ሞ ኩነታቶም ባህ ዘይበለካን እትጥርጥሮም ሰባት ንፖሊስ ምሕባር ከኣ ፈጸምቲ ስርቂ ንምርካብ ሓጋዚ’ዩ።

ስርቂ ካብ ጁባ ስርቂ ካብ ጁባ መብዛሕትኡ

ህዝቢ ኣብ ዝበዝሖ ቦታታት ከም ኣብ ኣውቶቡሳት፡ ሚኒባሳት፡ ሜዳ ስፖርት መዋፈሪ ኣውቶቡሳት የጋጥም። ግዳይ’ዚ ዓይነት ስርቂ ንኸይንከውን ኣቐዲምና ከነዘውትሮ ዝግባኣና ጥንቃቐታት ኣሎ። ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት

ንምንቅስቓስ ኣውቶቡስ ይኹን ሚኒባስ ክንስቀል ከለና፡ ዘለና ገንዘብና ብቅድሚት ጁባና ገይርና ተጠንቂቕና ክንሕዞ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ምስቃል ምስቲ ዘጋጥም ጽቕጥቕጥ ሰባት ኣቓልብኦም ናብቲ ምድያብ ጥራሕ ስለ ዝኸውን ሰረቕቲ ካብ ጁባ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ኢዶም ኣብ ጁባ ሰባት ብምእታው ይሰርቁ። ስለዚ፡ ኣውቶቡስ ይኹን ሚኒባስ ኣብ እንሳፈረሉ፡ ትኩርነትና ሓለዋናን ከነዛይድ ይግባእ። ኣብ ከባቢና ኩነታቱ ባህ ዘይበለና ሰብ ከኣ ብዓይኒ ጥርጣረ ክንርኢ የድሊ።

ስርቂ ካብ ጁባ ዝደጋገም ግን ከኣ ብጥንቃቐ ዝግታእ ገበንብዮሃንስ ክፍሎም

ድሕረ ባይታ ናይ መብዛሕትኦም ኣብ ስርቂ ካብ ጁባን ቦርሳታትን ዝሳተፉ እንተተመልከትና፡ ካብ ኩሉ ደረጃ ሕብረተሰብ ኮይኖም መብዛሕትኦም ግን ብሸቐጥ ማስቲካን ሽጋራን ኣብ ጎደናታት ዝውዕሉ ትሕቲ ዕድመ፡ ኣብ ከም ስራሓት ፎቶሪኖ፡ ምሕጻብ መኪና፡ ምጽዓንን ምርጋፍን ዝኣመሰሉ እናሰርሑ ኣብ ዝመሰዮም ዝሓድሩ፡ ኣብ ዘጋጠሞም ዝምገቡ፡ ብዘይመደብ ዝሰርሑ፡ ብዘይሓሰብዎ ዝጎዓዙ፡ ንመጻኢ ዘይኮኑስ ንዕለቱ ዝነበሩ ብወልፊ መስተን ጣላዕን ዝተታሕዙ ወዘተ ኮይኖም’ዮም ዝጸንሑ። እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ’ውን ሕሉፍ ጉዕዞ ህይወቶም ዝተሰናኸለ፡ ብገበናዊ ተግባራቶም መደበራት ፖሊስን ቤት-ማእሰርትን ከም ገዝኦም ዝርእይዎ፡ ካብ ጌጋ ናብ ጌጋ እናጥሓሉ ብዝፈጸመዎ ገበናዊ ተግባራት ብዙሕ ግዜ ዝተኸሰሱን ዝተፈረዱን’ዮም። ስሩዕ ስራሕን ጉዕዞ ህይወትን ስለዘይብሎም ከኣ ካብ ስርቂ ናብ ቤት መስተታት፡ ካብ ቤት መስተታት ናብ ካልእ ኣጸያፊ ስራሓት፡ ካብኡ’ውን ኣብ ስርቂን ኣብ ኮለልን ዝነብሩ’ዮም። እቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኣብ

ፍሉጥ ቦታታት ማለት፡ ምውፋር

ኣውቶቡሳትን ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡሳትን፡ ኣብ ማእከል ዕዳጋታትን ኣብ መዛናግዒ ማእከላትን፡ ኣብ ውሽጢ ስድራን ካልእን ዝካየድ ስርቂ ገንዘብ፡ ተንቀሳቐሲ ቴለፎናት፡ ዝተፈላልየ ኤልትሮኒካዊ ንብረታት፡ ስዓት፡ ካሜራ ዝኣመሰሉ ንብረታት የጠቓልል። ሰራቒ ስለዘይስከፍን ዘይፍንፍንን ከኣ ካብ መርፍእ ጀሚሩ ዝረኸቦ ወረቓቕት’ውን ይለኻኽም። ንዝወሰዶ ንብረት ብሕሱር ደደርብዩ ድማ ናብቲ ጠራሙዝ፡ መለክያ፡ ምለሊኽን ብርለን ዝጭብጠሉ ቦታ ከይዱ ንመሓዙቱ ይመስል። ብዘይገንዘቡ ይጋብዝ፡ ይስሕቕ፡ ተረካብ ዋዛታት ይድርቢ፡ ሰራቒ ዘይኮነስ ውርዙይ ክመስል ይጽዕር፣ ንጽባሒቱ ወይ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወይ’ውን ብኻልኦት ክኽፈለሉ ምዃኑ እናዘከረ። ሜላ እዞም ኣብ ስርቂ ካብ

ጁባን ቦርሳታትን ዝተዋፈሩ ፍልይ ዝበለ ኣይኮነን። እታ ቀዳመይቲ ዝምዝምዝዋ ኣብ ሓሳብ ዝጠሓለ፡ ዝዘንገዐ፡ ኣብ ውዕዉዕ ዕላል ወይ ጻውዒት ቴለፎን ናይ ዘሎ ሰብ’ዩ። ብኻልኣይ ድማ ኣብ ጽቕጥቕጥን ምድፍፋእን ንዘለው ሰባት

ምክልኻል ገበን

ምዝንጋዕ’ዩ። ብሰንኪ ናይ ደቓይቕ ምድህላል ወይ ምዝንጋዕ ከኣ ሰባት ኣብ ኢድ ሰረቕቲ እናኣተው ገንዘቦም ምስኣን፡ ንብረቶም ምጥፋእ፡ ሰነዳቶም ምጥፋእ ከምኡ’ውን ድሕሪኡ ዝስዕብ ኮለል’ውን ክጥቀስ ይከኣል። መዕገቲ እዚ ኹሉ’ምበኣር ጥንቃቐ

ምዕባይ’ዩ። ሰባት ባህርያቶምን ተግባራቶምን ብደጋዊ ምርኢቶም ዝፍለጡ ኣይኮኑን። ፈተውትኻ፡

ሓገዝትኻ፡ ቀረብትኻ፡ ፈለጥትኻ፡ መሲሎም ዝጽግዑ ብዙሓትዮም። ኩሉ ቀራቢ ግን ጥዑይ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ፡ መንዩ ጥራይ ዘይኮነ ባህርያቱ’ውን ከመይ ምዃኑ ከይፈለጥካ ንብረትካ ዘይምቅላዕ። ብፍላይ ኣብ መገሻ ብዝሒ ዘለዎ ገንዘብ ዘይምሓዝ፡ ስቱርነት ገንዘብናን ንብረትናን ምርግጋጽ፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ኣውቶቡሳት ኣብ እንሳፈረሉ ብጥንቃቐ ምጉዓዝ የድሊ።

ሰረቕቲ ካብ ጁባ ኣብ ፌርማታታት ኣውቶቡስ ቅድሚ ምስቃልና ኩነታትና የጽንዑ’ዮም። እዚ ከኣ ሓደ ሰብ ገንዘቡ በየናይ ጁባ ኣቐሚጥዎ ኣሎ? ጁቡኡ ንስርቂ ምቹእ ድዩ ኣይኮነን? ኣቓልቡኡ ኣበይ ኣሎ…? ወዘተ የስተብህሉ። ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ቦርሳ

ኣንጠልጢለን ኣውቶቡስ ይኹን ሚኒባስ ስለዝሳፈራ፡ ካብ ቦርስአን ዝስረቓ ውሑዳት ኣይኮናን። እዚ ከኣ ቦርስአን ብቐሊሉ ዝኽፈት ምስ ዝኸውን ኣቓልቦአን ናብ ካልእ ከም ዘበለ ኣስተብሂሎም ይሰርቅወን። ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣብ ውሽጢ ቦርሰን ኣገደስቲ ንብረት ክህልወን ስለዝኽእል፡ ክሳፈራ ከለዋ ቦርስአን ብጽኑዕ ክዓጽዋ ትኩርነተን ከዕብያን የድሊ።ኣብ ስርቂ ካብ ጁባ ዝሳተፉ ሰባት

ገሊኦም ኣከዳድኖኦምን ቁመናኦምን ከደናግሩ ስለዝኽእሉ ከተለልዮም የጸግሙ’ዮም። እናሓንሳብ ብጉጅለ ስለዝሰርቁ ግና ኣብ ውሽጢ ኣውቶብስን ሚኒባስን ቅድሚ ምስፋሮም ናብ ሰባት ቀባሕ- ባሕ የብዝሑ፡ ነንሕድሕዶም ከሕሾኽሹኹ ይርኣዩ ካብ

ዝተሰቐልዎ ኣብ ዝቐረበ ፌርማታ ዝወርዱ ምዃኖም’ውን ምግንዛብ የድሊ።ኣብ መዋፈሪ ኣውቶቡሳት’ውን

ቀንዲ ሰረቕቲ ካብ ጁባ ዝዋፈሩሉ ቦታ’ዩ። ምኽንያቱ ሰባት ንመገሻ ንብረት ይኹን ገንዘብ ከም ዝማልኡ ስለዝግንዘቡ፡ ከም ተሳፈርትን ገየሽቲን ተመሲሎም፡ ሰባት ተጸቓቒጦም ክድይቡ ከለው ተጣቢቦም ክሰርቁ ይኽእሉ። ስለዚ፡ ኣብ ምውፋር ኣውቶቡሳት’ውን ኣብ ከባቢና ሰረቕቲ ካብ ጁባ ክህልው ከም ዝኽእሉ ተገንዚብና ንብረትናን ገንዘብናን ብጥንቃቐ ክንሕዝ የድሊ።ካልእ ኣብ ኣውቶቡሳትን

ሚኒባሳትን ኣእዳዎም ኣብ ጁባ ሰባት ኣእትዮም እናሰረቑ ሰቕ ኢሎም ዝዕዘቡ ሰባት የጋጥሙ’ዮም። እዚ ግና ካብ ምትሕብባር ምስ ሰራቒ ስለዘይፍለ እቲ ዝተዓዘበ ሰብ ዓው ኢሉ ነቲ ግዳይ ስርቂ ዝኸውን ዘሎ ሰብ ክሕብር ጽቡቕ’ዩ። ኣብ ስርቂ ካብ ጁባ ዝበዝሑ ትሕቲ ዕድመ ብዘይካ’ዚ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ከም ዘለዋ መዛግብቲ ፖሊስ ዝሕብርዎ እዩ’ሞ ኣስተብህሎ የድሊ።

Page 4: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 4

ኣማኑኤል በርሀሪፖርታዥ ኮለጅ ሓልሓለ - “ብውሑድ ወጻኢታት ዝለዓለ ውጽኢታት”

እዚ ቅንያት’ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ሃገርና ተዘርጊሐን ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ሞያዊን ቴክኒካውን ኣብያተ ትምህርትን ንዓመታት ከምህርኦም ዝጸንሓ ተማሃሮ ዘመርቓሉ ቅንያት’ዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ-ሰንበት ድማ፡ ኣብ’ዚ ሃገር ካብ ዘለዋ 59 ናይ ቀዳማይ ዲግሪ፡ 45 ናይ ዲፕሎማ፡ 12 ናይ ድሕረ-ምረቓን ካልኦትን ኣብ ሓንቲ ወይ ልዕሊኡ ትካል ትምህርቲ ናይ ምምራቕ ስነ ስርዓት ይካየድ ኣሎ። ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ኮለጃት ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ተማሃሮ ጥራይ ዝእትዉ ዝነበሩ፡ ሎሚ ናብ ኣስታት 15 ሽሕ ገጾም ይገማገሙ’ለዉ። ኣብ 2004 ብሓድሽ ኣወዳድባ ዝቘመት ኮለጅ ንግድን ስነ ቁጠባን ሓልሓለ ሓንቲ ካብኣተን’ያ።ካብ ከተማ ድባርዋ ኣስታት

5 ኪ.ሜ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ እትርከብ ኮለጅ ንግድን ስነ ቁጠባን ሓልሓለ፡ “ኣብ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባና ብዝተፈላለዩ ዓውደ-ፍልጠት ናይ ምስትምሃርን ምርምርን ምኽርን፡ ዝበለጸት ማእከል ብቕዓት ብምዃን፡ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ልምዓት እጃም ምብርካት” ዝብል ራእይ ሒዛ’ያ ተበጊሳ። ምስ ንግድን ቁጠባን ዝዛመድ ሞያን ፍልጠትን ኣዕጢቕካ፡ ኣብ ህንጸት ሃገርን ምውጋድ ጥምየትን ልዑል ተራ ዝጻወቱ ተመረቕቲ ምፍራይ’ዩ ድማ እቲ ዕላማ።እዛ ኮለጅ ብሰንበት

05 ሓምለ፡ 347 ተማሃሮ ብሸውዓተ ዓውደ-ትምህርቲ ኣመሪቓ። ካብ’ዚኣቶም 175 ብዲግሪ 172 ድማ ብዲፕሎም ዝተመረቑ’ዮም። እዞም ብኣተሓሕዛ ሕሳብ፡ ምሕደራ ዋኒን፡ ስነ ቁጠባ፡ ፋይናንስ፡

ፓብሊክ ኣድሚኒስትረይሽን፡ ባንኪን ከምኡ’ውን ቱሪዝምን ምሕደራ ሆቴላትን ዝተመረቑ፣ ናይ ቀዳማይ ዓመት ትምህርቶም ኣብ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ዓዲ ቐይሕ ዝቐሰሙ ኮይኖም፡ ኣብ’ዛ ኮለጅ ንሓደን ሰለስተን ዓመታት ዝጸንሑ’ዮም። ምስ ናይ ሎሚ ዓመት ደሚርካ ድማ፡ እዛ ኮለጅ ብጠቕላላ 4056 ምሩቓት ናብ ስራሕ ኣዋፊራ’ላ።ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ

ስርዓት ቃል ዘስመዐት ሚኒስተር ሚ/ሪ ቱሪዝም ወ/ሮ ኣስካሉ መንቀርዮስ፡ “እዚ ዕለት’ዚ ሓጎስና እንጽንብለሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣበይ በጺሕና እንታይከ ይተርፈና’ሎ እንግምግመሉ ኣጋጣሚ’ዩ” ድሕሪ ም ባ ል ፡

ኣ ገ ዳ ስ ነ ት ትምህርቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ጽቡቕ መረዳእታ ዝጸንሖን ዘለዎን ምዃኑ ኣብሪሃ። ንተመረቕቲ ድማ፡ “እዚ ሕጂ ቀሲምኩሞ ዘለኹም ትምህርቲ፡ ካብ’ቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዘዐወተና መትከላት ከይወጽአ፡ “ብውሑድ ወጻኢታት ዝለዓለ ውጽኢታት” ንምርካብ ብኸመይ ንሰርሕ፡ ብኽነት ኣወጊድካ ብዘለካ ትሕዝቶ እንታይ ትገብር፡ ክትበላሓትሉ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ተፈጢርልኩም

ስለ ዘሎ፡ ነዚ ተጠቂምኩም ንናይ ልምዓትን ህንጸትን መደባት ናብ ዝልዓለ ጥርዚ ከተብጽሕዎ ብተወፋይነት ክትሰርሑ ለበዋ ዘየድልዮ ሓላፍነትኩም’ዩ” ብምባል፡ ሓላፍነቶም ከልዕሉ ኣዘኻኺራ።ኣብ መደምደምታ ሚኒስተር

ኣስካሉ፡ ሃገርና ንዝተዓደለቶ ዘይተደረተ ጸጋታት ከማዕብልዎን ንህዝቦምን ንካልኦትን ከርብሕ ዝኽእል ባብ ምዕባለ ክኸፍቱን በጺሖሞ ዘለዉ ደረጃ ከም መበገሲ ወሲዶም ንናይ ድሕረ ምረቓ ዕድላት ክጥቀሙሉን ተላብያ።“ዕላማና ነቲ እነማዕብሎ

ካሪክለም ንሃገርና ኣገዳሲ ብደረጃ ዓለም ከኣ ብዓይነቱ ብሉጽን

ተወዳዳርን ቀጻልነት ዘለዎን ንክኸውን’ዩ። ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ካሪክለም ምስ መሻርኽቲ ሚኒስትሪታትን ውልቃዊ ትካላትን ብምምኽኻር ኢና እነማዕብሎ። ዘለዉና ፕሮግራማት ብምዕባይን ብምሕያልን፡ ኣድለይቲ ሓደስቲ ፕሮግራማት ኣብ ምምዕባልን

ምትእትታውን ከኣ ጻዕርና ቀጻሊ’ዩ” ዝበለ፡

ዲን ናይ’ቲ ኮለጅ

ዶ / ር እ ስ ቲ ፋ ኖ ስ

ሃይለማርያም ድማ፡ 20 ሚእታዊት ካብ መምሃራን ናይ’ቲ ኮለጅ ወጻእተኛታት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ንዘሎ ሕጽረት መምሃራን ንምቅላል እታ ኮለጅ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ከም ዘላ ገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 10 መምሃራን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ትምህርቶም ይቕጽሉ ምህላዎም ኣብሪሁ። ካብ’ዚኣቶም እቶም ሰለስተ ንዶክትረይት እቶም ሸውዓተ ድማ ንማስተርስ ዲግሪ ዝማሃሩ ዘለዉ’ዮም።ብዛዕባ ምስ ናይ ወጻኢ ናይ

ትምህርቲ ትካላት ዘለዎም ዝምድና ኣመልኪቱ ከኣ ዶ/ር እስቲፋኖስ፡ “ኣህጉራዊ ዝምድናታትና ኣብ ምሕያል ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኣለና። ናይ ክፍሊ ኣተሓሕዛ ሕሳብ ፕሮግራማትና፡ ዓዲ እንግሊዝ ብዝርከብ ማሕበር ናይ ቻርተርድን ሰርቲፋይድን ዝኾኑ ክኢላታት ኣተሓሕዛ ሕሳብ (ACCA) ተፈላጥነት ረኺቡ’ሎ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ከኣ ክፍሊ ስነ ቁጠባ ናይ ኮለጅና ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዝተዋጽኣ

120 ዩኒቨርሲቲታት ምስ ዝርከብኦ ኣህጉራዊ ኔት ዎርክ ኣብ ውህደት ካሪክለም ንምንጣፍ ተመሪጹ’ሎ። ከም ናይ ቢዝነስ ኮለጅ መጠን ዕላማና ደለይቲ ስራሕ ዘይኮነ ፈጠርቲ ስራሕ ዝኾኑ ምሩቓት ምፍራይ’ዩ። ኣብ ኮለጅና ‘ማእከል ስልጠና ዋኒንተኛነትን ክእለት መሪሕነትን’ ንምቛም፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ እትርከብ ትካል ናይ ምርድዳእ መዘክር ተፈራሪምና ኣለና።” ድሕሪ ምባል፡ ምስ ናይ ፊንላንድ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይ ኡጋንዳን ዩኒቨርሲታት ብምሽራኽ፡ ብሓባር M.A ፕሮግራም ብቁጠባዊ ምዕባለ፡ ከምኡ’ውን ኣተኩሮኡ ኣብ ኣተሓሕዛ ሕሳብ፡ ፋይናንስ፡ ምሕደራ ዋኒን፡ ፓብሊክ ኣድሚኒስትረይሽንን ምሕደራ ላዕለዋይ ትምህርትን ዝገበረ ፕሮጀክት MBA ንምጅማር መደብ ተነዲፉ ምህላዉ ኣብሪሁ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ተመረቕቲ ክብርታት ኮለጆም ዓቂቦም ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ብብቕዓትን ተወፋይነትን ክሰርሑ ተላብዩ።ወኪል ተማሃሮ ብወገኑ፡

“ትምህርቲ ብሓፈሻ ፍልጠት ድማ ብፍላይ፡ ኣብ መቓን ንቕሓት ኣትዩ እንተተሰሪሕሉ፡ ንዝሓለፈ ዕድላት ብዓጸፋ እንመልሰሉ፡ ድልዱል ዝሰረቱ ስልጡን ሕብረተሰብን ምዕቡል ሃገርን ዝህነጸሉ፡ ነዊሕ ግን ከኣ ኣቋራጭ መንገዲ ምዕባለ’ዩ። ስለ’ዚ ንሕና ከም ዜጋታት ናይ’ዛ ሃገር ብሓፈሻ፡ ከም ፍልጠት ዝዓጠቑ ተመረቕቲ ኮለጅ ቢዝነስን ስነ ቁጠባን ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ምውጋድ ድኽነት፡ ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋ፡ ኣብ ምውሓስ ድልዱል ዝሰረቱ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ኣብ ምትብባዕ ብሕታዊ ጽላት ከምኡ’ውን ኣብ ምድንፋዕ ቱሪዝማዊ ሃብቲ፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ምምዕባል ሕብረተ-ሰብን ሃገርን እጃምና ከነበርክት ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቃል ንኣቱ” ኢሉ።ኣብ መዛዘሚ’ቲ ጽምብል

ዕዉታት ተመረቕ ካብ ኢድ ሚኒስተር ኣስካሉ መዳልያ ተቐቢሎም። ህዝቢ ኣብ ስነ ስርዓት ምምራቕ

Page 5: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 5

መሓመድእድሪስ መሓመድ

ኣረፋይነ 1970 ኣረፋይነ 2015

ኣረፋይነ፡ ካብ ሕውነታዊ ፍቕሪ - ሃገራዊ ክብሪ

መበል12 ክፋል

መቸም እቲ ሕልሚ ተጋሂዱ ናጽነት ምስ ኮነ፡

እቲ ብጀማሂር ዝፍለጥ ህዝባዊ ምምሕዳር’ውን ብሓድሽ ኣወዳድባን ቅርጽን ተወዲቡ ካብ ውሱን ቦታታት ናብ ሓድሽ መድረኽ ተሳጊሩን ናብ ዝሰፍሐ ክፋል ኤርትራ ብምስፍሕፋሕ ነቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝጀመሮ ሰውራዊ ዕማምን ዝደለቦ ተመክሮን ብምስፋሕ ኣብ ሓራ ኤርትራ ብዝለዕለ ክቅጽሎ ተበጊሱ። ግን ኸኣ ኣባላት ጀማሂር ሳሕል ነበር ነንሕድሕዶም እናተደፋነቁ ክፈላለዩ ከለው ግን ብመሰረቱ ኣይተጠላለሙን። ነቲ ቀደም ኣብ ትሕቲ ገረብ ወይ መጋርያ ህዝቢ ኣኪቦም ዝገብሩዎ ዝነበሩ ሰሚናራትን ዝህቡዎ ዝነበሩ ኣስተምህሮታን ኣብቲ ንኡሽ ዕድሚኦም ቅጅል ይብሎም። ሎሚ ድሕሪ ዓመታት ኣብዝራኸቡሉ ግዜ’ውን እቲ ናይ ቀደም ሂወቶም ክዝክሩን ክዋዘዩን ደሃይ ሕድሕዶም ክገብሩ ከለው ልክዕ ከምዚ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝቕመጡ ደቂ ሓደ ማህጸን ኮይኖም እንተ ብኣካል እንተ እከለ ወይ እከሊት እናተበሃሀሉ

ዝዕልሉዎ ዕላላትን ሕክያታትን ትማሊ፡ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝኽሮም ኣይሃሰሰን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እዮም ቅድሚ 13 ዓመታት እንተዋሕደ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ከካብ ዘለዎ ተኣኻኪቦም ኣብታ ደርጋ ከም ዕትብቶም ዝተቖርጸሉ ዝቆጽሩዎ ቦታታት ሳሕል ብምብጻሕ ሂወት ቀደሞም ኣብ ሎሚ ኮይኖም ከዘንትውን ክዝክሩን ከለው ኡፎይታ ፍሰሃን ከም ዝስመዖም’ዮም እቲ ከም ዓቢ ሓዎም ኮይኑ ደርጋ ቅድሚ 40 ዓመታት ክሳብ ሎሚ ካብ ጎድኖም ዘይተፈልየ ኣረፋይነ ክንፈ ዝትርኽ።

ኣረፋይነ ኣብ 1983 ኣብ ወግሬት ምስ ተጋዳሊት ነብያት ኣፈወርቂ ምስ ተመርዓወ፡ ከይወለዱ ደርጋ ሾውዓተ ዓመታት ምጽነሖም ምኽንያት ነይሩዎ። ነብያት ኣብ 1977 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ካብ ትምደብ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለየ ኲናት ተሳቲፋን ተወጊኣን’ያ። ግን እቲ ድሮ መርዓኣ ኣብ ዝባን ጎቦ ደንደን ዓሪዳ ከላ ኣብ 1983 ኣእዛና ዘጽመመ መውጋእቲ ገጠማ። እቲ ብሰንኪ ጽዑቕ ደብዳብን

ሂምታን ከቢድ-ብረት ዘጋጠመ መውጋእቲ ድማ ንውላድ ኣየይብሃጋን። ምኽንያቱ ሽዑ እቲ ቀዳማይ ድሌታን ምንዮታን ውላድ ዘይኮነ እቲ ተሎኪቱ ዝነበረ ኣእዛና ክክፈተላ ጥራይ ነበረ። ድሕሪ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ኣእዛና ክክፈተላ ከምዝኽእል ግን ብሓካይም ተስፋ ኣይሰኣነትን። ምኽንያቱ ከበሮ እዝባ ተዓቢሱ እምበኣር ኣይተቐደን። ብሰንኪ ምጽማማ ድማ ካብ ሓይልታት ናብ ክፍልታት ብፍላይ ድማ መጓዓዝያ ተመዲባ እንኮላ ድሕሪ ገለ ዓመታት ከምቲ ሓካይም ዝበሉዎ ኣእዛና ሃንደበት ተኸፍተላ። ሓሳብ ልባ ድማ ሰመረላ። ሽዑ ኣብ ሕሽክብ ዝነበረትሉ ኣሃዱ መዓዝያ እታ ንውሱን ግዜ ጸማም ትባሃል ዝነበረት ነብያት ኣእዛና ምስተኸፍተ ብጾታ ናብቲ ቀቢጹ ዝነበረ በዓል-ቤታ ኣረፋይነ መልእኽቲ ብምስዳድ ኣበሰሩዎ። ኣረፋይነ’ውን “ብስራትኩም ይጥዓም” ኢሉ ከይወዓለን ከይሓደረን ናብ ሕሽክብ ደበኽ በለ። ኣረፋይነ ናብ ሕሽክም ምስ መጸ ነብያት፡ ብጾታ ካብ ማዕዶ ክጽውዑዋን ንሳ ድማ ክትምልስ ምስ ረኣያ ኸኣ ኣመና ተሓጒሱ። “ኣረፋይነ እንቋዕ ሐጎሰካ፡ ነብያት ድሕሪ ደጊም ብምልክት ዘይኮነ ብቐጥታ ክትሰመዓካ እያ” ኢሎም ብጾታ ስዋን ድሙድሙን ጸሚቖም ዓቢ ግብዣ ገሮምላ። ኣረፋይነ’ውን ተሳተፋይ ናይቲ ፌስታ ኮነ። ምስ ነብያት ክዘናገዕን ክስስዕን ድሕሪ ምቅናይ ድማ ፍቃድ ሓቲቱ፡ መርዓቱ ሒዙ ናብ ወግሬት ተመልሰ። ነብያት ኣብ ወግሬት ምስ ኣረፋይነ ቐንያ። ነቲ ቀደም። ሃእ….እንዳበለት ተሸግሩ ዝነበረት፡ ንሱ ድማ ነዓኣ ከስምዕ ተኸኽ ዝብሎ ዝነበረ መድረኽ ተቐዪሩ። ድሕሪ ናይ ገለ መዓልትታት ሕጽኖቶም ድማ ነብያት ካብ ወግሬት ናብ ኣሃዱኣ ሕሽክብ ተመልሰት። ክትምለስ ከላ ድማ ማህጸና ድሮ ድቂ ናይዛ ቦኽሪ ጓላ ሒዙ ነበረ። ኣብ 1991 ናጽነት ሰለስተ ወርሒ ምስ ተረፋ ኸኣ ኣብ ዓሬርብ ኤልሳ ተወልደት። ኣብ ግንቦት 91 ኤርትራ ናጻ ምስ ኮነት ኸኣ ኣረፋይነ መርዓቱን ጓሉን ሒዙ ኣስመራ ከኣቱ ተሃንጠየ። እንተኾነ ግን፡ ስክፍታ ዝፈጠረሉ ዘይሓሰቦ ትእዛዝ መጾ። እቲ ትእዛዝ ካብቲ ንዓመታት ዝሰርሓሉን ዝተቐመጦን ከባቢ ናቕፋ ናብ ኣስመራ ዘይኮነ ናብ ሰሜናዊ ሳሕል ገጹ ኣብ ማህሚመትን ቅሮራን ተቐዪርካ ኣሎኻ ዝብል መልእኽቲ መንፈሱ ኣይተቐበሎን። ኣረፋይነ እታ ከም ሰቡን ልዕሊ

ሰቡን ዝፈልጣን ትካል መስሪቱ ጽቡቕ መነባብሮ ዛሕልፈላ ርእሰ ከተማና ኣስመራ ኣብ ሓራ ኤርትራ ተዘክሮታት ንእሰነቱ ክሕልፈላን ንኤልሳ ጓሉ ሓንጊሩ ክዛወረላ እናተመየ ከሎ፡ ዘይሓሰቦ ውድባዊ ትእዛዝ ግን ሓሳቡ ኾለፈ። ላዕልን ታሕትን እናበለ ድማ ናብ ሓለፍቱ ጥርዓኑ ከመሓላልፍን ኩነታቱን ጥዕና በዓል ቤቱን ክገልጽን ግን ድሕር ኣይበለን። ናብቲ ካብ ሳሕል ሕሽክብ ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ምምሕዳር ብምምጻእ ድማ ጥርዓኑ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣቕረበ።

ተጋዳሊት ነብያት ኣፈወርቂ

ገለ ካብ ሰሚናራት ጀማሂር ሳሕል

ኣረፋይነን ደቁን ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት

ኣረፋይነን ደቁን ድሕሪ 24 ዓመታት ናጽነት ኣብ ናቕፋ (ፍደል-ፐ)

እንተ’ቶም ካልኦት ኣባላት ጀማሂር ሳሕል ነበር መብዛሕትኦም ካብታ ቀደም ከም ሓንቲ ስድራ ኮይኖም ምስ ህዝቢ ሳሕል ዘሕለፎኦ ሂወት ናብ ሓድሽ ሂወት ዘምርሕ ኩነታት ስለዝተፈጥረ፡ እታ መስርዕ ወይ ጋንታ ጀማሂር ናብ ብዙሕ ክትጎጃጀልን ናብ መላእ ኤርትራ ፋሕ ክትብልን ግድነት ኮነ። ኣረፋይነ’ውን ነቲ ካብ 1976 ምስቶም ከም ኣሕዋቱን ደቁን ምስኡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ከርተት ዝበሉ ብጾቱ እናተረኣዩ፡ “እዋእ ሕጂ ካብቶም ዝፈልጦም ብጾተይ ተፈልየ ነታ ንዓመታት ዝተቐመጥኩላ ናቕፋ’ውን ገዲፈ ኣብ ሰሜናዊ ሳሕል ሓድሽ ቃልሲ ክጅምር እየ ማለት ድዩ?” በለ ብልቡ እናተደፋነቐ።ግን ኣረፋይነ ሕትኡ ኣውንታዊ

መልሲ ረኸበ። ድሕሪ’ዚ ድማ እዩ ኡፎይታ ዝተሰመዖ። ነቲ ኣብ ንእስነቱ ልዕሊ ኩሎም ብጾቱ ኣብ ኣስመራ ዛሕለፎ ጥዑም ሂወት እናዘከረ ኸኣ ኣብቲ ጽባሕ ናጽነት ዝፈለመ ንጥፈታት ሃገራዊ ህንጸት ተሳትፍኡ ክሕይልን ከም ቀደሙ ክጽዕርን ድማ ምስ ነፍሱ ሓድሽ መብጸዓ

ኣተወ። ብቐጥታ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ምምሕዳር ተመደበ። መጀመርታ ኣስመራ ከኣቱ ከሎ ኣብ እንዳ ወዲ ሓፍቱ ንክልተ ወርሒ ምስ ተቐመጠ፡ ካብኡ ኣብ መዓስከር ደንደን ገዛ ስለዝተዋህቦ ኣብኡ ግዒዙ። ኣብዝተመደበሉ ቦታ ንክልተ ወርሒ ምስ ሰርሐ ግን፡ እቲ ጻዕቒ ስራሕን ሃላኽን ዝለመደ ኣረፋይነ “ስራሕ ዝሒሉኒ”፡ ኢሉ ምስ ጠርዐ እንደገና ኣብ ህዝባዊ ርክባት ተመዲቡ፡ እዚው’ን ከይዓገበሉ ንገለ አዋርሕ ምስ ሰረሓሉ

ካብ 1992-95 ሓላፊ ንብረት ኮይኑ ሰሪሑ። ካብ 1995 ንደሓር ድማ ን20 ዓመታት ሓላፊ ናይዚ ክሳብ ሕጂ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣሃዱ አገልግሎት ኮይኑ ንህዝቢ የገልግል ኣሎ። ሎሚ ድማ ነቲ ብመንግስቲ ኣብ ምምሕዳር ጎዳይፍ ዝተወገነሉ ገዛ ሰፊሩ ዕጉብን ሕጉስን ምዃኑ ይገልጽ። ኣረፋይነ ድሕሪ 1991 ነታ ኣብ

ዓሬርብ ዝተወልደት ኤልሳ ጓሉ ዘማምቑ ውላድ ወሲኹ። ፊሊሞን፡ ሳምሶን ኣብ መጠረሽታ ድማ ሩታ ስዒቦም። ኣረፋይነ ናጽነት ኮይኑ ደቁ ሒዙ፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዘወር ክብል ከሎ፡ ነቲ ቀደም ኣብ ሳሕል ከሎ፡ ኣብ ሓራ ኤርትራ ምስ ደቁ ክዘናጋዕ ዝነበሮ ባህጉን ህርፋኑን ስለዝሰመረሉ ኸኣ ተመስገን ኢሉ። ደቁ ቀልጢፎም ዓብዮም ኣብ ትምህርቲ ክነፍዑሉን ጥራይ ዘይኮነ ከምኡ ህርኩታትን ትጉሃትን ብምዃን ንዑኡ መሲሎም ክትክኡዎ ኸኣ ተተምነየ። ሎሚ ድሕሪ 24ን ዓመታት ናጽነት

ድማ፡ እታ ጓል ዓሬርብ ኤልሳ ኣረፋይነ ድሮ መምህር ኮይና ህዝባ ትምህር ኣላ። ፊልሞን ትምህርቲ ወዲኡ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ይሰርሕ ኣሎ፡ ሳምሶን ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ ክምረቕ ሓደ ዓመት ተሪፉዎ ኣሎ። እንተ’ታ ኣብ 1998 ዝተወልደት ሕሳስ ልደ ሩታ ኣረፋይነ ግን ሎሚ ዘመን ኣብ መበል 29 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ሰሙን ናብ ሳዋ ክትወርድ ተዳልያ ኣላ።

ይቕጽል……

Page 6: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 6

ጥዑምዝጊ ተስፋይሪፖርታዥ ስነ ስርዓት መመረቕታ ኮለጅ E.I.Tቀዳም 4 ግንቦት፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ፡

ከባቢ’ቲ ሰፊሕ ኮለጅ “Eritrea Institute of Technology” (ማይ ነፍሒ) ብንጉሆኡ

እዩ ብሰብን ተሽከርከርቲን ተኸዲኑ። ዕምባባታትን ህያባትን ዝሓቘፉ ወለዲን መቕርብን ናይ ተመረቕቲ፡ ነታ ደበሶም ዝርእዩላ ሰዓት ክጽበዩ ብሕጉስ መንፈስን ብሩህ ገጽን ኣብ ጽርግያን ከባቢን እቲ ኮለጅ ዓሲሎም። ፍረ ናይ ዓመታት ጻዕሪ ክርእዩ ዝበቕዑ ተመሃሮ; እፎይታን ባህታን ብዝንበቦ ወጅሂ ንሓድሕዶም “እንቋዕ ሓጎሰና፡ ፍረ ጻማና እንቋዕ ኣርኣየና” እናበሉ ሰናይ ትምኒት ተቐባቢሎም። ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባር፡

ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ኣምባሳደራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወለዲን መቕርብን ተመረቕቲ ከምኡ’ውን ካልኦት ዕዱማት ኣብ ዝተረኽቡሉ ዕለት፡ እቲ ክብሪ ትምህርቲ ብዘጉልሑ ጭርሖታትን ብባንዴራ ኤርትራን ዝወቀበ ሰፊሕ ኣዳራሽ’ቲ ኮለጅ ብዕዱም ምስ መልአ፡ ናይ ክብሪ ኣጋይሽ በቦታኦም ሒዞም። ናይ’ቲ ዕለት ተመረቕቲ ብህርመት ማርሺን ባንድ ብመስርዕ ምስ ኣተዉ እዩ ድማ እቲ መደብ ፈሊሙ። ነበርቲ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጋላ ነፍሒ፡ ብፍላይ ድማ ተወከልቲ ዓድታት ሕምብርቲ፡ ኩትሞውሊዕን እባርዳእን፡ ተኻፈልቲ ናይ’ቲ ጽምብል ንክዀኑ “ኢ. ቲ. ኤ. ትካልና እዩ! ኢ.ቲ. ኤ. ናትና ንሕና ናቱ” ዝብል ጭርሖ ዘርጊሖም እናተላህዩ ኣብ ኣደራሽ ተረኺቦም። ስነ-ስርዓት መመረቕታ ብዝኽሪ ሰማእታት

ምስ ፈለመ፡ ምክትል ፕረሲደንት ናይ’ቲ ኮለጅ፡ ፕሮፌሰር ተስፋሚካኤል ሃይለ፡ ንተሳተፍቲ ብስም-ማሕበረሰብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ናይ ‘እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ናይ ምስጋናን መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕልላፍ፡ እቲ ኮለጅ - ኮለጅ ስነ-ትምህርቲ፡ ኮለጅ ምህንድስና፡ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ኮለጅ ቁጽሪን ዝሓቘፈ ኮይኑ፡ ዲግሪን ዲፕሎማን ከም ዝምህር ብምጥቃስ፡ ብጠቕላላ ኩላተን ኮለጃት 5138 ተመሃሮ ኣብ ምምሃር ከም ዝርከባ ገሊጹ። ካብ’ዚ ቁጽሪ እተን ልዕሊ 37% ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ካብ’ቶም ሎሚ ዓመት ንምረቓ ዝበቕዑ

1285 ተመሃሮ፡ 32% ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ዝገለጸ ፕሮፌሰር ተስፋሚካኤል፡ ኣብ ኮለጅ ስነ-ትምህርቲ 136 ብዲግሪ፡ 288 ብዲፕሎማ፡ ኣብ ኮለጅ ምህንድሳና 250 ብዲግሪ፡ 208 ዲፕሎማ፡ ኮለጅ ስነ-ፍልጠት - 280 ብዲግሪ 89 ብዲፕሎማ፡ ከምኡ’ውን ብማስተርስ ዲግሪ 33 ከም ዝተመረቑ ገሊጹ። ብማስተርስ ዲግሪ ዝተመረቑ፡ ብስነ-ሂወት 4፡ ብስነ-ቀመም 4፡ ብቁጽሪ 9፡

ከምኡ’ውን ብናይ ርሕቐት ትምህርቲ ካብ መድራስ ከምኡ’ውን ኣሚቲ ዩኒቨርስቲታት ህንዲ 9 ምዃኖም እውን ዘርዚሩ።

ፕሮፈሰር ተስፋሚካኤል፡ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ብመንጽር ብዝሒ ተማሃሮ፡ ጽፈት ትምህርቲን ትሕተ-ቅርጺን እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ መንግስቲ፡ ኣብ ዕብየት ትምህርቲ ብዘለዎ ንጹር መርገጺ፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ሰፊሕ ወፍሪ የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣስዒቡ “ዕብየት ትምህርቲ፡ ፍልጠት ንምዝርጋሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዕብየት ሃገር’ውን ብምዃኑ፡ ኣገባብ ኣመሃህራና ኣብ ምርምር ዝተመርኮሰ ንገብሮ ኣለና። ስለ’ዚ እንኽተሎ ኣገባብ ትምህርቲን

ምርምርን ንተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናይ’ዛ ሃገር ተጠቒምና፡ ንድሕረትን ድኽነትን መኪትና፡ ናብ ቁጠባዊ ዕብየት ዘምርሓና መንገዲ ክኸውን ይጸዓረሉ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ምስ መሻርኽቱ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት፡ ዓውደ-ዘተ ናይ ምርምር ባይታን ኣርእስቲን ኣለልዩ ኣሎ። ውጽኢት ዝካየዱ

መርመራ ከኣ ኣብ “Eritrean journal of science and technology” ተሓቲሙ ናብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ክግበር’ዩ” ብምባል፡ እቲ ኮለጅ ኣብ’ዚ እዋን ብሃገራዊን ኣህጉራዊን ደረጃ ዝብድህ ፍልጠት እናስነቐ ከም ዝርከብ ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ኮለጅ ክምረቑ ዝጸንሑ ተመሃሮ፡ ክሳብ ሕጂ ግዚያዊ

ወረቐት-ምስክር ክወሃቦም ከም ዝጸንሐን ሕጂ ግን ኣብ ምምስራት እቲ ኮለጅ ዘጋጠመ ማሕንቘታት ተሰጊሩ፡ ቀዋሚ ናይ ዲፕሎማን ዲግሪን ምስክር ወረቐት ክወሃብ ምዃኑን እውን ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ኮለጅ ዝጸንሐ ሕጽረት መምህራንን ኣብ ናይ ግዳም መምህራን ምምርኳስን ንምቅላል፡ ክልተ ኣማራጺታት ከም ዝጥቀሙ ዝሓበረ ፕሮፌሰር ተስፋሚካኤል፡ እቲ ቀዳማይ፡ ንፒ ኤች ዲን ማስተርስን ናብ ወጻኢ ምልኣኽ ክኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ድማ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ድሕረ-ምረቓ ፕሮግራም ምድላው ከም ዝዀነ ኣረዲኡ። ኣብ’ዚ እዋን እቲ ኮለጅ፡ ብዓውድታት ስነ-ሂወት፡ ስነ-ቐመም፡ ቑጽሪ፡ ፊዚክስ ከምኡ’ውን ብቴለ ኤጁኬሽን ብማስተርስ ደረጃ ተመሃሮ የሰልጥን ከም ዘሎ ከይሓበረ እውን ኣይሓለፈን። ኣብ መወዳእታ፡ ንምሩቓት - ኣብ ዝሃቦ

ምኽሪ ትምህርቲ ብምረቓ ጠጠው ዘይብል ዘይምዃኑን፡ በቲ ኣብ’ቲ ኮለጅ ዝሓዙዎ ናይ ፍልጠት መንገዲ ኣብ ምሉእ ሂወቶም እናተማህሩን ፍልጠት እናወሰኹን ክኸዱን ብምሕባር፡ ንተመረቕቲን ወለዶምን “እንቋዕ ሓጎሰኩም” ኢሉ። ንኹላቶም ኣብ ምምሃርን ነቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ምሕጋዝን ዝተሳተፉ፡ ንመምህራንን ክፍሊ ምምሕዳርን እቲ ኮለጅ፡ ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ኣጋጣሚ

እጃሞም ንዘበርከቱ፡ ከምኡ’ውን ንመንግስቲ ቻይና፡ ጃፓንን ናይ ኣፍሪቃ ልምዓት ባንክን ንዝህቡዎ ማህደረ-ትምህርቲ ኣመስጊኑ። ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት ልዑል

ነጥቢ ዘምጽኡ ተመሃሮ ሽልማቶም ዝተቐበሉ ክዀኑ ከለዉ፡ ካብ ምሉኣት ተመረቕቲ ጸብለል ዝበሉ ዓብዱሰላም ዓብደልቃድር

ካብ ዓውዲ ምህንድስና፡ ቃልኣብ ዓንደብርሃን ካብ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት፡ ከምኡ’ውን ስየና ተስፋይ ካብ ስነ-ቀመም ከኣ መዳልያ ብሉጽነት ተቐቢሎም። ተሸላሚት መዳልያ ስየና ተስፋይ፡ ኣብ’ቲ

ኣጋጣሚ “ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኮለጅ ሓያል እዩ። ብርቱዕ መጽናዕቲ ይሓትት፡ ኣብ ትምህርትኽ ተወፋይነት ይሓትት። ከም’ዚ ኢልካ ፍረ ጻማኻ ክትረክብ ከለኻ፡ እሞ ድማ ብልዑል ነጥቢ በሊጽካ ክትወጽእ ከለኻ ከኣ ዝያዳ ትሕጎስ። ብፍላይ መዳልያ ክሽለም ኣብ ትጽቢተይ ኣይነበረን። “ሳርፕራይስ” እዩ ነይሩ ንዓይ። ስለ’ዚ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን” ድሕሪ ምባል ዓውዲ ስነ-ቀመም ከም እትፈትዎን ብምርጫኣ ከም ዝኣተወቶን ኣዕሊላትና። “ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ንኽበጽሕ ዘብቅዑኒ መምህራነይ እዮም። ኣነ እውን ኣብ ዝኣተኹዎ ዓውደ-ስራሕ ብትግሃትን ተገዳስነትን ክሰርሕ ክድርኸኒ እዩ” ኢላትና። ኣብ ውዕዉዕ ሓጎስ ዝጸንሓትና

ሓንቲ ካብ ከረን ዝመጽአት ስድራ ናይ’ቲ ብዓውዲ ስነ-ቀመም ብዲግሪ ዝተመረቐ ዓብዱልከሪም ስሌማን እያ። ምሩቕ ኣብዱልከሪም ስሌማን “ካብ ከረን እየ መጺአ፡ ብዙሕ ናብ ከረን ስለ

ዘይመላለስ፡ ዝበዝሐ ግዜይ ኣብ ትምህርቲ ከሕልፎ ኣኽኢሉኒ እዩ። ሕጂ 2.7 እዩ ዘለኒ። ዕድል ናይ ትምህርቲ እንተ ረኺበ ኣይምጸላእኩን። ከምኡ’ውን መንግስቲ ኣብ ዝመደበኒ ክሰርሕ ድሉው ኣለኹ” ክብል እዩ ብሓጺሩ ገሊጹልና። ወላዲኡ ኣቶ ስሌማን ያዕቈብ ብወገኖም “ውላድካ ኣብ ከም’ዚ ደረጃ ክበጽሕ ከሎ ዝስመዓካ ሓጎስ ደረት የብሉን። ንመንግስቲ እውን ዓቢ ነገር እዩ። ሰብ ብዘይ እግሪ ኣይከይድን እዩ። ኣእጋርና ድማ እዞም ብትምህርቲ ዝበስሉ ዘለዉ ደቅና እዮም። ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክሳብ ዝበጽሑ ንሕና ንሕግዞም፡ ንሳቶም ድማ ድሓር ይሕግዙና። ክፍሊ ትምህርቲ - ኩሉ ዜጋ ብፍልጠት ንኽንመሓይሽ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከኣ ጽቡቕ እዩ እብል” ክብሉ ሓሳቦም ገሊጾጸሙልና። ወላዲቱ ወ/ሮ ካልሹም ዑስማን “ተሓጒስክንዶ?” ኢልና ምስ ሓተትናየን “እሂናይ ደኣ! ውላደይ ኣብ’ዚ ደረጃ በጺሑ ክርኢ ምብቅዐይ ከመይ ዘየሐጉሰኒ! ስለ ዝተሓጎስኩ እንድየ መመረቕታኡ ክርኢ ካብ ከረን መጺአ” ክብላ ዉዕዉዕ ሓጎሰን ገሊጸን።

ስየና ተስፋይ

ዓብዱልከሪም ስሌማን ምስ ወለዱ

ፕሮፌሰር ተስፋሚካኤል ሃይለ

ወኪል ተመሃሮ ብወገኑ፡ ንተሳተፍቲ ናይ’ቲ ኣጋጣሚ “ዮሃና” ብምባል ዝከኣሎም ጽዒሮም ኣብ’ቲ ደረጃ ብምብጽሖም ሕጉሳት ከም ዝዀኑን፡ ነቲ ደረጃ ብዘይሕለል ሓገዝ ወለዶምን መህራኖምን ከም ዝበጽሕዎን ብምግላጽ፡ ንኹላቶም ነቲ መፈጸምታ ከም ዝከኣል ዝገበሩ፡ ብስም ተመረቕቲ ኣድናቘቱ ገሊጹሎም። ኣብ መደረኡ “ናይ ጽባሕ እወታዊ ኣብነት ክንከውን ኣለና” ዝበለ ወኪል ተመሃሮ፡ ኣብ ሃገር ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣድማዕቲ ክዀኑ

እውን መኺሩ። ኣብ ኣጋ ምዝዛም መደብ፡ ሚኒስተር

ሰመረ ርእሶም፡ ብኣጋጣሚ ናይ’ቲ ንሻሙናይ ግዜ ዝተኻየደ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ንተመረቕቲን ወለዲን፡ ከምኡ’ውን ኩሉ ዓቕሞምን ክእለቶም ንዓመታት ወፍዮም ተመሃሮ ብምኹስኳስ ኣብ ደረጃ ፍልጠት ንዘብጽሑ መምህራንን ኣመሓደርቲን ኮለጃት ኢንስቲትዩት ኤርትራ “ዮሃና እንቋዕ ፍረ ጻዕርኹም ኣርኣየኩም” ምስ በለ፡ እተን ኮለጃት ካብ ዝተመስረታሉ 2004 ኣትሒዙ፡ ኣብ ትሕቲ ዘይምቹእ ትሕተ-ቅርጺ፡ ድሩት ሞያዊ ዓቕሚ፡ ውሱን ባጀታዊ ትሕዝቶ፡ ሕጽረት ትምህርታዊ መሳለጢን ደገፍን ክነጥፋ ከም ዝጸንሓ ብምግላጽ፡ ሳላ ጽኑዕ እምነትን ትግሃትን መምህራንን ኣባላትን ኮማት ኮለጃት - ሕጽረታት በብመድረኹ እናተማልኡ፡ ዳይናሚካዊ ዕብየት ብዘረጋግጽ ምዕባለ ይትክኡ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት

ትምህርቲ ተወዳደርቲ እናኹና ምምጽአን፡ ንነዊሕ ዓመታት ብዕምቈት ሰሪቱ ዝጸንሐ ባህላዊን ያታዊን ቀይዲታት ብፍጥነት ይሰዓር ምህላዉ ከም ዘረጋግጽን፡ ኣብ ሕብረተሰብና ምዕሩይ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ቦታአን ንኽሕዛ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መትከል ማሕበራዊ ፍትሒ ተመርኲሱ ኣንጊሁ ዝተበገሰሉ ዕላማን ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕርን ኣብ ጭቡጥ ፍረ ምብጽሑን ገሊጹ። “ራእይ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ብኩለንትናኦም ዝተሃንጹ፡ ንሃገሮምን ህዝቦምን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘቑሙ፡ ተበላሓትቲን ኣፍረይቲን፡ ምዕብልቲ፡ ተወዳዳሪት፡ ርግኣት ዝሰፈናን ብመትከል ርእሰ-ምርኮሳ እትምራሕን ኤርትራ ንምህናጽ ዝጽዕቱ ዜጋታት ብምኹስኳስ እዩ” ዝበለ ሚኒስተር ሰመረ ርእሶም፡ ምሩቓት፡ በቲ መትከል ተመሪሖም ብልዑል ወጻኢ ንዘምሃሮም ህዝብን መንግስትን ክኽሕሱ ተላብዩ። ስነ-ስርዓት መመረቕታ ተማሃሮ

ኢንስቱቲዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ፋዱስ ብሃገራዊ መዝሙር ምስ ተዛዘመ፡ ተመርቕቲ ምስ ቤተሰቦም፡ መቕርቦምን ፈተውቶምን ናይ መዘከርታ ስእሊ ብምውሳድ እዮም ካብ ቀጽሪ’ቲ ኮለጅ ተፋንዮም።

***

ስ/ የማነ ኣብርሃ

ተመረቕቲ ተማሃሮ ኣብ ስነ ስርዓት ምምራቕ

Page 7: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 7

***

***

ብሃማመተኤ ዝዳሎ ዓምዲ

Page 8: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 8

ሺሃብ ኣርኣያ

ኣረዳድኣ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ሞት ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ ንዝሞተ ወገንካ በቲ ናትካ ልምድታትን ባህልታትን ብኽብሪ ምፍናው ግን ኣብ ኩለን ኣህዛብ ዘሎ ልምዲ’ዩ። እዚ ልምድታት’ዚ ካብ ባህሊ ናብ ባህሊ ክፈላለ ንቡር’ዩ። ኣብ ኩርዲስታን፡ ኢራንን ኣዘርቢጃንን

ዝነብሩ ሰዓብቲ እምነት “ዘርዳሽት” ሬሳ ኣብ ሓመድ ምድባይን ብሓዊ ምቅጻልን ንመንፈስ’ቲ ዝሞተ ሰብ ስለ ዘራኽስን እቲ ዝሞተ’ውን ምእንቲ ክጸድቕ ተባሂሉ ሬሳኡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ግምቢ ብምቕማጥ ንጸሓይን ንፋስን የቓልዑዎ። ስግኡ ብኣሞራ ተበሊዑ ኣዕጽምቱ ጥራሕ ምስ ተረፈ ድማ ነቲ ኣዕጽምቲ ብማይ ሓጺቦም ይቐብሩዎ። እምነት ሲክን ሁንዲዝምን ልዕሊ ሓደ

ቢልዮን ሰዓብቲ’ዩ ዘለዎ። ብእምነቶም ድማ ስጋን ኣዕጽምትን ዝሞተ ሰብ ብዝኾነ ነገር ክራኸስ ስለ ዘይብሉ ሓደ ካብ ኣባላቶም ምስ ዝመውት ስድራ ቤቱን ኣዝማዱን ተቐላጢፎም ናብ’ቲ ሬሳ ዝቓጸለሉ ቦታ የብጽሕዎ።ኣብ’ቲ ብናይ ሓጺን ኣዕኑድ ዝተሃንጸ

መቃጸሊ ሬሳ፡ ሸሞንተ ኣዕጫው ምስ ተቐመጠ፡ እቲ ሬሳ ዘይትን ነዳድን ተለኺዩ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዕንጨይቲ ድሕሪ ምቕማጥ ተወሳኺ ኣዕጫው ብልዕሊኡ ይድርደር።

“ሂወትና ኣብ ምጅማራን ምዝዛማን ኣብ እንግድዓ ካልኦት ተሓዚልና ኢና እንጓዓዝ” (ጉታ)“ጣዕሚ ዕረ እንተለመድካዮ

ወይኒ ኮይኑ ክስማዓካ ይኽእል’ዩ” (ጆ.ሊኖን)“ዝገርም’ዩ. . እቲ ምንጪ ሓጎሰ

ኣብ ውሽጥና እንከሎ ካብ ካልኦት ክንረኽቦ ሃረር ንብል” (ኦስካር ዋይልድ)

ዘገርሙ ኣጋጣሚታትተመሳሳሊ ስምን ስም ኣቦን’ዩ ዘለወን - ፓትሪሽያ ኤን

ካምፕል። እዘን መቦቆል ዓዲ ኢንግሊዝ ዘለወን ዜጋታት ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ ዝነብራ ’ኳ እንተኾና ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 13 መጋቢት 1941 ተወሊደን። ክልቲኤን ከኣ ኣብ መበል 23 ዓመተን ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ወተሃደራት ኣመሪካ ተመርዒየን። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ድማ ቦኽሪ ወደን፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ካልአይቲ ዉላድ ተገላገላ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ክልቲኤን ብተመሳሳሊ ዓውደ ትምህርቲ ላዕለዋይ

ደረጃ ትምህርተን ዝዛዘማን ኣብ ሓደ ዓይነት ስራሕ ዝሰረሓን’የን።

እዛ ስእሊ ኣብ 1958 ብዊልያም በልት ዝተሳእለትን ንስልማት ፑልተዘር (Pulitzer) ዝዓተረትን’ያ።ኣብ’ዛ ስእሊ፡ ኣብ ጎደናታት ዋሽንግቶን ዝካየድ ዝነበረ ምርኢት

ዝዕዘብ ዘሎ ህጻን፡ ጽርግያ ንኽሰግር ብምሉእ ትሕትና ነቲ ኣብ ሓለዋ ዝነበረ ሞኮነን ፍቓድ ይሓቶ’ሎ።

ዕድመ ጸጋ’ዩ ወዲ ሰብ’ውን ዕድመ እና ወሰኸ ብዝኸደ ተሞኩሮ እናደለበን ኣብ ሕብረተሰቡ ዘለዎ ክብሪ እናዓዘዘን ይመጽእ። ደቂ ሰብ ንመዋእል ክንነብር ኣይንጸልእን ኢና። እንተኾነ ግን ዕድመ እና በሃግና ብመንጽሩ ናብ እርጋን ገጽና ብዝኸድና ዝቖጸርናየን ዓመታት ክንሓብእ ንጅምር። ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ሓቀኛ ዕድሚኤን ከም ዝሓብኣ ንሳተን ከይተረፋ ዝምስክሮኦ ሓቂ’ዩ። ጉዳይ ዕድመ ኣብ ዕላላትና ምስ ዝለዓል

እታ ተኣማሚንካ ሰላሳታት በጺሓ’ያ እትብላ ሄዋን ኣፋ መሊኣ “ጓል 25 ዓመት’የ” ክትብለካ ንቡር’ዩ። ነዚ ከም’ዚ ዓይነት መልሲ ዋላ’ውን ብውሽጥኻ ኣይትእመኖ ምቕባሉ ጥራሕ’ዩ። እቲ ምንታይ ናብ ክትዕ ገጽካ እንተኣምሪሕካ ነታ ብቐደሙ’ውን ብዛዕባ ዕድሜኣ ክትሕተት ዘይትፈቱ ጓል ኣንስተይቲ ክትከስራ ስለዝኾነ። እቲ ዘገርም ግን ደቂ ኣንስትዮ ንገዛእ ርእሰን እናነኣሳ ንመዛኑኤን ዝኾና ዓመታት እናወሰኻ ከእርገኤን ምፍታነን’ዩ። ውሩይ ተዋስኣይ ሀሊውድ ኮሜድያን ኤዲ ማርፊ ሓደ ጋዜጠኛ “ብኸመይ ኢኻ እቲ ሓቐኛ ዕድመ ሰበይትኻ ፈሊጥካ?” ኢሉ ምስ ሓተቶ “ንንዕልታ ሓቲተ” ኢሉ መሊሱሉ። እንግሊዛዊ ምሁር ስነ-ልቦና ዶ/ር ኣልፍሬድ ኣዳምዝ ብወገኑ “ነታ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤተይ መዓልታዊ ንስኽን ነቢትን እና ሓደርኩም ኢኹም እትምቅሩ ዝብላ’ኳ እንተኾንኩ፡ ንሳ ግን ዛጊት ክሳብ ሕጂ ጥራሕ ሰለስተ ናይ ገጽን ቆርበትን መጥባሕትታት ብምክያድ ንዕድሜኣ ዒስራ ዓመታት ንድሕሪት መሊሳቶ ኣላ” ይብል። ኣስዒቡ ድማ “እቲ ዘገርመኒ ድማ ኣብ መንገዲ ዘጓንፉና ሰባት ንዓይ ብምምልካት እዚ ኣቦኺ ድዩ ምስ በሉዋ ኣብ ገጻ ዝዓስል ናይ ዕጋበት ክምስታ’ዩ” ይውስኽ።ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጥንቲ ኣትሒዘን’የን ኣብ

ገጸንን ኣካላተንን ብብርዑ ዝስንዶ ስንብራት ኣብ ምቅዋምን ምድምሳስን ዝኣተዋ። ባህላዊ ይኹን ዘመናዊ ኣገባባት ብምጥቃምን ክሳብ’ቲ ብሰፊሑ

ልምድታት ምፍናው ሬሳ

ኣህዛብን ባህልታቶምን

ሓደ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ኣዕጫው ምስ ኣቓጸሎ ድማ፡ እቶም ቐባሮ ቅዱስ ሂወት ብምምናይ ሓሓንቲ ዕማኾ ኩቦ ከምኡ’ውን ከም ህያብ ዕንባባን ዑድን ኣብ’ቲ ዝቓጸል ዘሎ ሬሳ ይድርብዩ።እቲ መስርሕ ምቅጻል ምስ ተዛዘመ

ስድራ ቤቱ፡ ዝተኣከብ ሓመኹሽቲ ብነሓስ ብያቲ ብምውሳድ ኣብቲ ቑዱስ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑሉ ሩባ “ጋንጅ” ይድርብዩዎ።በዓልቲ ቤት መዋቲ ከም መርኣያ

ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታ ዘለዋ ኣኽብሮትን ፍቕርን ብሂወታ እንከላ ምስ ሬሳ መዋቲ ሰብኣያ ትቓጸል ኔራ’ያ። እዚ ልምዲ’ዚ ብመንግስቲ ህንዲ’ኳ ብትሪ እንተ ተኸለከለ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ሂንዲ ግን ክሳብ ሓጂ ይፍጸም ኣሎ።ኣብ ደሴታት ማዳጋስካር ዝነበር ህዝቢ

መሪና ሂወቶም ምስ ባሕሪ ብምትእስሳሩ ኣብ ባሕሪ ልዑል ፍቕርን ክብርን’ዩ ዘለዎም። ሓደ ኣባሎም ምስ ዝመውት ድማ ነቲ ሬሳ ምስ’ቲ ንሱ ዝጥቐመሎም ዝነበረ ናውቲ መግፈፊ ዓሳ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ኣቐሚጦም ኣብ ባሕሪ ይገድፍዎ። እታ ጃልባ ምስ ንፋስ ባሕሪ ክትጓዓዝ ምስ ጀመረትን ክሳብ ካብ ዓይኖም እትኽወልን ድማ ጸሎትን ምህለላን የካይዱ።ኣብ ጋና ንዝሞተ ሰብ ናይ ኮካ ኮላ፡

ሞባይልን ነፋሪትን ወዘተ ቅርጺ ዘለዎ ሳንዱቕ ብምድላው የፋንዉዎ። እዚ ልምዲ’ዚ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ቀቢላ “ኣልጃ” ዝተወርሰ’ዩ። ኣባላት’ዛ ቀቢላ ሰብ እንተሞይቱ ምስቲ ዝነበሮ ባህርያት ዝመሳሰል ቅርጺ ተቐሚጡ ናብታ ካልአይቲ ዓለም ክጓዓዝ ኣለዎ ዝብል እምነት’ዩ ዘለዎም። ቅድም ናይ ባህላዊ መሳሪሒታት ቅርጺ’ኳ ይጥቀሙ እንተነበሩ፡ ሰናዱቕ ሬሳ ግን ዘመናዊ ቅርጺ እናሓዘ መጺኡ።ኣብ ደሴት ሶውላውሲ ኢንዶኒዥያ

ዝነብሩ ኣባላት ቀቢላ “ቶራጁዳ” ምስሊ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ብቅርጻ ተዳልዩ ኣብ ልዕሊ መቓብሩ የንብሩ እዚ ድማ ነቲ ሬሳ ካብ ርኹሳት መናፍስቲ ንምክልካል ተባሂሉ’ዩ። ስድራ ቤት መዋቲ ብርክት ዝበላ ሓሰማታትን ኣጣልን ክትሓርድ ስለዘለዋን ምስ ካልእ ወጻኢታት ቐብርን ተዳማሚሩ እቲ መስርሕ ንዓመታት ይቕጽል። ኣብ ደቡባዊ ክፋል ካሜሮን ዝነብር

ህዝቢ፡ ሬሳ ዝሞተ ሰብ ከከም ደረጅኡን ሃብቱን ብዓለባ ይግነዝ። ናይ መቕርቡን ፈለጥቱን እናተባህለ ድማ ክሳብ 50 ወይ’ውን ልዕሊኡ መግነዝ ዓለባታት ይብርከተሉ’ሞ ብኹሉ ይግነዝ።

ብሂል

ለባማት

ዛንታ ስእሊ

ንምንታይ’የን ደቂ ኣንስትዮ ሓቀኛ ዕድሚኤን ዝሓብኣ?

ሓደገኛ ምዃኑ ዝንገረሉ መጥባሕትታት ብምክያድ ዝዓጠረ ቆርበትን ዝተጨማመደ ገጽን ሲሒበን ሰሓሒበን ናብ’ቲ ናይ ቅድም ምስሉ ኣብ ምምላስ ይርከባ። ጎኒ ጎኒ’ዚ ድማ እታ ጓል ዒስራ ክሳብ ሰላሳ እትበጽሕ ጓል ዓሰርት ሸሞንተ ዓመት’የ፡ ሳላሳ ምስ ኣተወት ድማ ክንዲ ኣጻብዕቲ ኢዳ ዓመታት ክትንኪ ትጅምር። ካብኡ ንንየው ግን ምቑጻር ብምቁራጽ ኣብ ሰላሳታት ትደርቕ። ዶ/ር ኣልፍሬድ ኣዳምዝ ነዚ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም’ዩ ዝብሎ። ከም ኣባሃህሉኡ ሓደ ሰብ ተፈጢሩ ክሳብ ዝመውት ዝተፈላለዩ ናይ ዕድመ መድረኽት’ዩ ዝሰግር። ነፍስወከፍ መድረኽ ድማ ናቱ ምልክታት ኣለዎ። ሰባት’ውን ነዚ ኣሚና ምስቶም ዝፍጠሩ መድረኻት ክንጓዓዝ’ኳ ዝግብኣና እንተኾነ ንሕጊ ተፈጥሮ ብምቅዋም ግና ኣብ ናይ ዕድመ ህውተታ ንኣቱ። ኣብ ኣተሓሳስባ ሕብረተ-ሰብ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ፍርያምነትን ሰሓብነትን ስለዝዛመድን ደቂ ተባዕትዮ’ውን ናብ ዘዝናኣሳ ስለዝጥምቱን ንዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ከም ለባማትን ውርዝያትን ንዝኣረጋ ደቀንስትዮ ድማ በንጻሩ ከም ነግራማትን መዕዘምዘምትን ስለ ዝቖጽርወን፡ ንጽቡቃትን ንንኣሽቱን ጥራሕ ማእከል ዝገብራ ጽልዋ ማዕከናት በቲ ሓደ ትሑት ርእሰ ምትእምማን ናይ’ተን ዕድሚኤን

ዝሓብኣ ደቀንስትዮ ድማ በቲ ካልእ፡ ዕድሜኻ ናይ ምሕባእ ልምዲ የማዕብል።እዚ ክሳብ ዝፍወስ ድማ ንዝኾነት ጓል

ኣንስተይቲ ዕድሜኣ ካብ ምሕታት ንቆጠብ።

Page 9: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 9

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጋንታታት ሱፐር ዲቪዥን ኤ ዞባ ማእከል፡ ኣስመራ ቢራ ንጎዳይፍ 3ብ0 ኣዕንያታ፣

ቢራ ኣብ ሓሙሻይ ደቒቕ ናይቲ ጸወታ ካብ መርሃዊ ኣስመላሽ ብዝረኸበታ ሸቶ መሪሕነት ሓዘት፣ ኣይጸንሐን፡ መርሃዊ ካልኣይቲ ሸቶ ደገመ፣ መጥቃዕቲ ኣስመራ ቢራ በዚ ኣየብቀዐን፣ ኣሕመድ ኢብራሂም ሳልሳይ ሸቶ ደገመ፣ ኣስመራ ቢራ ድማ በተን ቅድሚ ዕረፍቲ ዘመዝገበተን ሰለስተ ሸቶታት ምሉእ ነጥቢ ካብ ጎዳይፍ መንጸዐት፣

ልዑል ግምት ዝረኸበ ግጥም ጋንታታት ኣዱሊስን ኣልታሕሪርን ብዘይ ሸቶ ክዛዘም እንከሎ፡ ሲቲሰንተርን ማይተመናይን ድማ 1ብ1 ተፈላልየን፣ ካብራል ሃብተኣብ ንሲቲ ሰንተር መሪሕነት እተትሕዝ ሸቶ ከመዝግብ እንከሎ፡ መዘናኡ ናይ ማይተመናይ ዘርኢት ዑቕባትንሳኤ ድማ ማዕረ ንእትገብሮ ሸቶ ኣቑጺሩ፣

ለተብርሃን ወልደኣረጋይ

ኣስመራ ቢራ ብገፊሕ ተዓዊታ

መደብ ጸወታሎሚ

ግጥም ሻምፕዮን ጋንታታት ሱፐር ዲቪዥን ኤገዛባንዳ - ፓራዲዞ

ደንደን - ዕዳጋ ሓሙስ ካብ ሰዓት 2፡00 ጀሚሩ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ

ቺለ ኮፓ ኣመሪካ ዓቲራብቐዳም ዝተኻየደ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ሃገርት ኣመሪካ - ኮፓ ኣመሪካ 2015፡ ብዓወት ኣአንጋዲት ሃገር ቺለ ተዛዚሙ፣

ኣብቲ ግጥም ፍጻመ፡ ተጻወትቲ ኣርጀንቲና ዘይከም ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ፡ ኣብራኾም ወለል ክብሎም እዮም ተራእዮም፣ ብዘይ ዝኾነ ሸቶ ድማ ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምርሑ፣

ኣብ ተወሳኺ ግዜ እውን ክልቲአን ጋንታታት ሸቶ ብዘይምምዝጋበን ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምርሓ፣

ኣብ ዋንጫ ዓለም 2014፡ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ

ጀርመን ውዱእ ሸቶ ምምዝጋብ ዝተጸገመ ጎንዛሎ ሂጉየን፡ ኣብዚ ግጥም ፍጻመ እውን ኣብ መበል 90 ደቒቕ ጽብዕቲ ዕድል ኣጥፊኡ፣ ብተወሳኺ ንዝተዋህበቶ ፍጹም ቅላዕ እውን ምምዝጋብ ተጸገመ፣

በዚ ድማ እታ ብደገፍታ ማሚቓ ጸወታኣ ዘካየደት ቺለ 4ብ1 ስዒራ ንመጀመርታ ግዚኣ ዓባይ ዋንጫ ዓቲራ፣

ውሕልነት ዝተሓወሳ ናይ መወዳእታ ቅላዕ

ኣሌክስ ሳንቸዝ ንደገፍቲ ቺለ ብሓጎስ ከተሰራስር እንከላ፡ ካብ ተጻወትቲ ኣርጀንቲና ሊዮነል መሲ ጥራይ ሸቶ ምምዝጋቡ ድማ ብኣንጻሩ ንብዙሓት ኣርሚሙ፣

ኣብ 1993 ዋንጫ ኮፓ ኣመሪካ ዝወሰደት ኣርጀንቲና፡ ጽዋእ ከየልዓለት 22 ዓመት ኣቑጺራ ትርከብ፣

ኣብቲ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ፔሩ ንፓራጓይ 2ብ0 ስዒራ ሳልሳይ ኮይና፣

+ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ክለብ ማን ዩናይትድ ናኒ- ብ4.25 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ቱርካዊት ክለብ ፈነርባቸ ተሰጋጊሩ፣ ንሱ ኣብ ቱርኪ ንሰለስተ ዓመት ክቕመጥ ክታሙ ኣንቢሩ ኣሎ፣ ወዲ 28 ዓመት ናኒ፡ ካብ 229 ጸወታታት 40 ሸቶታት ንማን ዩናይትድ ኣበርኪቱ፣ ኣብ 2007 ካብ ስፖርቲን ሊዝበን ዝተሰጋገረ ናኒ፡ ምስ ማን ዩናይትድ ኣርባዕተ ጽዋእ ፕሪመርሊግ እንግሊዝ ከምኡ እውን ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ኣልዒሉ፣

+ ተጻዋታይ ኣርሰናል ሉቃስ ፖዶልስኪ ናብ ጋላታሳራይ ተሰጋጊሩ፣

+ ተጻዋታይ ክለብ ሞናኮ ራዳመል ፋልካኦ፡ ናብ ክለብ ቸልሲ ብመልክዕ ልቓሕ ተሰጋጊሩ፣ እቲ ኣብ ሜዳ ኦልድራፎርድ ናይ ማንቸስተር ክሰልጦ ዘይከኣለ ተጻዋታይ፡ ንሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ሞሪኖ ክብሪ ቸልሲ ንምዕቃብ ክቃለስ እዩ፣ ኣብ ኮፓ ኣመሪካ ምስ ኮሎምብያ ትሑት ብቕዓት ከምዘርኣየ ዝግምገም ፋልካኦ፡ ኣብ ቸልሲ እንተደኣ ዝነኣድ ናይ ጸወታ እዋን ኣሕሊፉ ብቐዋምነት ክሰጋገር ከምዝኽእል ይንገር፣

ተወሳኺ . . .

ሓደጋ ዝበዝሖ ሳልሳይ መድረኽ ቱር ደ ፍራንስብቐዳም ዝጀመረ መበል 102 ውድድር ቱር ደ ፍራንስ፡ ትማሊ ሳልሳይ መድረኹ ኣሰላሲሉ፣ ኣብቲ ሓደጋ ዝነበሮ መድረኽ፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤምቲኤን ኵቤካ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ዝርከቦም ሓያለ ተቐዳደምቲ ግዳይ ኮይኖም፣ ዳንኤል፡ ኣብቲ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ካብ ውድድር ወጻኢ ዝኾኑሉ መድረኽ፡ መጠናዊ ሃስያ ከምዘስዓበሉ ይግምገም፣ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ናይ ግዜ

ውድድር፡ ቀዳማይ ብምብጋስ ነቲ ታሪኻዊ ውድድር ዝመወሰ ዳንኤል፡ ማልያኡ ዝሓለፈ ናይ ዝባን ምልሕጻጽ ከምዝገጠሞን ክሳብ መወዳእታ ናይቲ ውድድር ድማ ቃንዛኡ ተጻዊሩ (ኣብ ድሕሪት ብምዃን) ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ክበጽሕን ተራእዩ፣ ምስ ዳንኤል ከም ብጫ ማልያ ዝወደየ ፋብያን ካንቸላራ ዝኣመሰሉ ተቐዳደምቲ ከቢድ ማህሰይቲ ገጢምዎም ብዘገምታ ጉዕዞኦም ክቕጽሉ ተገዲዶም እዮም፣13.8 ኪሎሜተር ኣብ ዝሸፈነ ውድድር

ግዜ፡ ካብ ዕዉት ናይቲ ዕለት ደኒስ ሮሃን ብደቒቕን 34 ካልኢትን ድሒሩ መበል 146 ደረጃ ዝሓዘ ዳንኤል፡ ዋላ’ኳ ነቲ ናይ ትማሊ ውድድር ምስ ቃንዛኡ እንተፈጸሞ፡ ኣብ ዝስዕቡ መድረኻት ግና ገለ ጽልዋ ከይገድፈሉ ስግኣት ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ግምተን ይህባ፣ምስ ዳንኤል፡ ንሕልሚ ኤርትራውያን

ተቐዳደምቲ ጋህዲ ዝገበረ መርሃዊ ቁዱስ፡ ኣብቲ ፈላሚ ናይ ግዜ ውድድር ካብ ሮሃን ብደቒቕን 51 ድሒሩ መበል 175 ደረጃ ሒዙ እዩ ናብ ካልኣይ መድረኽ ኣትዩ፣ ኣብዚ ውድድር ቱር ደ ፍራንስ ብዕድመ ዝነኣስ ተቐዳዳማይ ዝኾነ መርሃዊ፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ካብ ተዓዋቲ ናይቲ

መድረኽ ፋብያን ካንቸላራ ብድምር ግዜ ብ6 ደቒቕን 53 ካልኢትን ድሒሩ መበል 176 ክሕዝ ክኢሉ ነይሩ፣ብሓፈሻ ጎልጎል ዝዓብለሎን ኣብ

መወዳእታ ድማ ብተሪር ዓቐበት ዝተፈጸመን እቲ ሳልሳይ መድረኽ፡ መርሃዊ ዝነኣድ ውጽኢት ዘመዝገበሉ መድረኽ ኮይኑ ተመዝጊቡሉ ኣሎ፣ ኣብቲ ካብ ኣንትወርፐን ክሳብ ሃይ ዝበጽሐ ናይ 159.5 ኪሎሜተር ውድድር፡ ካብ ጋንታ ካቱሻ፡ ኮሎምብያዊ ጀዋኪም ሮድሪገዝ ብ3፡26፡54 ቀዳማይ ብምዃን ክዕወት እንከሎ፡ መርሃዊ ቁዱስ ድማ ብ45 ካልኢት ድሒሩ መበል 30 ደረጃ ሒዙ፣ ኣብ ዝስዕቡ መድረኻት ኣብ ዝተሰርዐ ዓቐብ፡ ዝሓሸ ብቕዓት ከርእዩ ብክለቦም ግምት ዝተወሃቡ መርሃዊን ሉዊስ መንተዝን ኣብ ናይ ትማሊ ውድድር ዝሓሸ ደረጃ ዘመዝገቡ ተቐዳደምቲ እታ ክለብ ኮይኖም ኣለዉ፣ ሉዊስ መንተዝ ብ36 ደቒቕ ድሒሩ መበል 22 ደረጃ ክሕዝ ክኢሉ ኣሎ፣እንግሊዛዊ ክሪስቶፈር ፍሩም ብተመሳሳሊ

ግዜ ካልኣይ ኮይኑ ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣብ ዝበጽሓሉ ናይ ትማሊ ውድድር፡ ዳንኤል ብ3 ደቒቕን 58 ካልኢትን መበል 90 ደረጃ ሒዙ፣ዛጊት ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ሰለስተ

መድረኻት፡ እንግሊዛዊ ክሪስቶፈር ፍሩም ኣብቲ ክልተ ግዜ ሓደጋ ኣብ ዝተራእዮ መድረኽ ብምኽሳቡ ብጫ ማልያ ክወዲ

ክኢሉ ኣሎ፣ እቲ ትማሊ ናይ ሽዱሽተ ካልኢት ሞቕሽሽ ዝረኸበ እንግሊዛዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ስካይ፡ ብ7 ሰዓት፡ 11 ደቒቕን 37 ካልኢትን እዩ መሪሕነት ሒዙ፣ ናይ ኵኽ ስቴፕ ቶኒ ማርቲንስ ብሓደ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ክስራዕ እንከሎ፡ ኣመሪካዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ቢኤምሲ ቲጀይ ቫን ጋርድነን ኸኣ ብ13 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ሳልሳይ ይርከብ፣ 176 ደረጃ ሒዙ ዝጸንሐ መርሃዊ ብ6

ደቒቕን 56 ካልኢትን ድሒሩ ናብ 63 ክድይብ እንከሎ፡ ዳንኤል ድማ ካብ 157 ናብ 92 ደረጃ ሓዅሩ ኣሎ፣ ዳንኤል ካብ ፍሩም፡ ብ9 ደቒቕን 52 ካልኢትን ድሒሩ ናብዚ ሎሚ ዝካየድ ራብዓይ መድረኽ ክኣቱ እዩ፣ነጥቢ ንምምዝጋብ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ፡

ሓደ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤምቲኤን ጥራይ’ዩ ኣብ ዝርዝር ነጥቢ ዘመዝገቡ ተቐዳደምቲ ተሰሪዑ ዝርከብ፣ ኣመሪካዊ ስቴፈን ኩሚስ

ሽዱሽተ ነጥቢ ብምውህላል መበል 40 ተቐሚጡ ኣሎ፣ ነቲ ቅልስ፡ ናይ ሎቶ - ኣንድሬ ግሪፐል ብ75 ነጥቢ ይመርሖ፣ቀይሕ ዝነጠብጣብ ጻዕዳ ማልያ

ንምውዳይ ኣብ ዝካየድ ጥምጥም፡ ሮድሪገዝ ክልተ ነጥቢ ብምምዝጋብ ይመርሕ፣ ኣብቲ ልዕሊ 20 ደቓይቕ ዝተቛረጸ ናይ ትማሊ ውድድር፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ቦራኣርጎን - ያን ባርታ ብዘርኣዮ ዝነኣድ ጸወታ፡ ‘ቁጡዕ ተቐዳዳማይ’ ዝብል ቅልጽ ተዋሂቡ፣ብሉጽ መንእሰይ ናይዚ ሰለስተ መድረኽ

ፒተር ሳጋን እዩ፣ እቲ ተቐዳዳማይ ክለብ ቲንክኦፍ-ሳክሶ 7 ሰዓት፡ 12 ደቒቕን 8 ካልኢትን ብምምዝጋብ ንመሰታኡ ጸብለል ክብሎም እንከሎ፡ ተቐዳዳምይ ክለብ ኤምቲኤን ሉዊስ መንተዝ ብ5 ደቒቕን 46 ካልኢትን ድሒሩ ታሽዓይ፥ ወዲ ጋንታኡ መርሃዊ ቁዱስ ድማ ብ6 ደቒቕን 25 ካልኢትን ድሒሩ መበል 14 ደረጃ ተቐሚጡ ናብዚ ሎሚ ዝሰላሰል ራብዓይ መድረኽ ክኣቱ እዩ፣ ሎሚ፡ ተቐዳደምቲ ናይ 223.5 ኪሎሜተር

ውድድር ከካይዱ እዮም፣ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ዋላ’ኳ ጎልጎል ዝዓብለሎ ይኹን፡ ዝሽፍኖ ርሕቀት ነዊሕ ብምዃኑ ግና በዳሂ ከምዝኸውን ይትንተን፣ ነቶም ናይ ጽርግያ ዝበሃሉ ተቐዳደምቲ ድማ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ዝሕግዝ ምዃኑ ይእመን፣

Page 10: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 10

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ዞባ ማእከል ኣስመራ

1.ንያት ግርማይ 2.ፍናን ግርማይ ገብረሃዋርያት፡ ስም ኣደና ኤልሳቤጥ የውሃንስ ምባል ተሪፉ፡ ሕርይቲ ናውድ መሓመድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/7/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 9ይ መጋባኣያ ቁ.49 ይቕረብ።

ኣቶ ራዋል ስዩም ያቆብ ምባል ተሪፉ፡ ራውል ስዩም ያቆብ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/7/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 9ይ መጋባኣያ ቁ.49 ይቕረብ።

ከሳሲ ኣቶ ኣክሊሉ ጸጋይ ተስፋጋብር፡ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲት ወ/ሮ ሜሮን ጎይትኦም ሓድሽ ናይ ስም ዋንነት መኪና ምትሕልላፍ ክሲ ስለዝመስረተ፡ ተኸሳሲት ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል መልሲ ሒዝኪ ን15/7/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቁ.35 ቅረቢ። እንተዘይቀሪብኪ ንስኺ ኣብ ዘይብሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኣቶ ኣሕመድ ሱሌማን ሓሰን ብወኪሉ ኣቶ ዑስማን ሓሰን ዑስማን ኣቢሉ፡ ኣሕመድ ሱሌማን ሓሰን ምባል ተሪፉ፡ ኣሕመድ ዑስማን ሓሰን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/7/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ተስፋማርያም በርሀ ክ/ሚካኤልን ተኸሳሲት ወ/ሮ ሉኡላ ማህደረን ዘሎ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ክርክር፡ ተኸሳሲት ብኣድራሽኣ ክትርከብ ስለዘይከኣለት፡ ን23/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ትቕረብ። እንተዘይቀሪባ ኣብ ዘየለወትሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራት

ወ/ሮ ኣብርሀት ምስግና ዘርአ፡ ወደይ ሃብቶም ተኽለብርሃን ገብረስላሴ ስለዝተሰውአ፡ ውላድ ስለዘይገደፈ ኣነ ወላዲቱ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ

ወ/ሮ እየሩሳሌም ብርሃነ ተወልደ፡ ወደይ ይከኣሎ ተወልደ በረኸት ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ጥራይ ናይ ወደይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ 4 ኣስመራ

ወ/ሮ ለምለም መብራህቱ ዘድንግል፡ ደቀይ ዝኾኑ ሚኪኤለ ሃይለ ኣስገዶም፡ ናጽነት ሃይለ ኣስገዶም፡ ኣውዓሎም ሃይለ ኣስገዶም ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ ሓንቲ ጓለይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።ወ/ሮ ሃና ኣስገዶም ኣውዓሎም፡ ወደይ ተወልደ ሃብተስላሰ ተስፋማርያም ስለዝተሰውአ፡ ኣይተመርዓወን ኣይወለደን ኣነ ወላዲቱ ምስ 3 ደቀይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ኣብርሃለይ ዘርኡ ሃብተሚካኤልን ተኸሳሲት ወ/ሮ ሳባ ቴድሮስ ንጉሰን ዝቐረበልና ሲቪላዊ ክሲ ጉዳይ ሰብኣይን ሰበይትን

ኮይኑ፡ ተኸሳሲ ኣብ ኣድራሽኦም ስለዘይተረኽቡ ተጸዊዖም ን24/7/15 ባዕሎም ወይ ወኪሎም ኣብ ቤ/ፍ ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ኣብ ዘየለውሉ ውሳነ ክዋሃብ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ሰግዶ

ኣቶ ገብረእየሱስ ንግሩ መንግስቱ፡ ኣቦና ንግሩ መንግስቱ ብላታን ኣደና ብሪ ቀሺ ተስፋማርያም ክፍለየሱስን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ቁሸት

ኣቶ ታደሰ ንጉሰ ወልደገርግሽ፡ ኣቦና ቀኛ/ንጉሰ ወልደገርግሽን ኣደና ንግስቲ ዑቕበን ስለዝሞቱ፡ ብኣቦን ኣደን እንወርስ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ፡ ብኣቦ መዋርስትና ድማ ነፍ/የሺ ንጉሰ ወልደገርግሽ 4 ተተካእቲ ደቃን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዳዕሮ ጳውሎስ

ወ/ሮ መኣዛ የማነ ወልዱ በዓል ቤተይ ኣማን ኣስመላሽ ተኸስተ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 1 ጓልን ድማ ወራሲት ምዃና ይረጋገጸላን ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጻዕዳክርስትያን

ኣቶ ተኽላይ ኣልመዶም ብወኪሉ ኣቶ ኣብርሃም ተኽላይ ኣቢሉ፡ ኣቦሓጎና ዓንድኪኤል ገብረ ገብረኪዳን ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይን 3 ኣሞታተይን ብተተካእቲ ደቀን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።ወ/ሮ ነብያት ተኸስተ መሰለ፡ ኣቦና ተኸስተ መሰለን ኣደና ትብለጽ ካሕሳይን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጸሎት

ወ/ሮ ልኡላ ደብረጽዮን ካሕሳይ በዓል ቤተይ ኣቶ በረኸት ጸጋይ ተስፋሚካኤል ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ንፋስ

ወ/ሮ ሰለማዊት ጎይትኦም ተኽለሚካኤል፡ ወላዲተይ ንግስቲ ገብረሂወት ጊላሚካኤል ስለዝሞተት፡ 6 ደቃ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን 03

ወ/ሮ ኤደን ተስፋጋብር ደባስ፡ ኣቦና ተስፋጋብር ደባስ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 7 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓረዛ

ወ/ሮ ርግኣት መኮነን ገ/መድህን በዓል ቤተይ ደባስ በራኺ ገብረዝጊ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ልችያ ተስፋስላሴ ካሕሱ በዓል ቤተይ ክንፈ ገብረኪዳን ገብረእየሱስ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ

መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ መንደፈራ

ኣቶ ቢንያም እምባፍራሽ፡ ስም ኣደይ ወ/ሮ ብርዛፍ ሰርጹ የውሃንስ ምባል ተሪፉ፡ ወ/ሮ ኣለም ሃይለ ዘወልዲ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/7/15 ኣብ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ፊልሞን መሓሪ መንግስትኣብ ምባል ተሪፉ፡ ተስፋዝጊ መሓሪ መንግስትኣብ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ደቀምሓረ

ፊልሞን ቀሺ ደስበለ የማነ ብርሃን ምባል ተሪፉ፡ ኤልያስ ቀ/ደስበለ የማነ ብርሃን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ፈለስቲ

ለተብርሃን ስዩም ዘምኪኤል በዓል ቤተይ ሓይለኣብ ገብርሂወት ተላ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 10 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ መንደፈራ

ኣብርሃ ገብረይ ተኽሉ፡ ብስም መዋቲት ወላዲትና ነፍ/ኣብርሀት ገብረሂወት ገብረመድህን ዝተመዝገበ ኣባይቲ ብዕለት 20/2/2015 ብቁጽሪ መዝገብ ቤ/ፍ 283/2010 ኣብ ዝወዓሎ መጋባኣያ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ኣረጋጊጹልና። እንተኾነ ካብ ወረስቲ ኣሕዋተይ 1.ጸሃይ ነጋሽ መለስ 2.ኣዜብ ነጋሽ መለስ 3.ምሕረት ነጋሽ መለስ ኣድራሽአን ስለዘይብለይ፡ ተጸዊዐን ን27/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረባ።

ዞባ ኣፍዓበት

ሳልሕ ኣሕመድ ዓሊ ምባል ተሪፉ፡ ሰላሕ ኣሕመድ ዓሊ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ተሰነይ ዞባ ሰላም

ወ/ሮ ገርግሽ ገብረዝጋብሄር በዓል ቤተይ ገብረሉኡል ትካቦ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 10 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቦም ጉዳይኩም ቤ/ፍ ክሪኦ ምዃኑ ንሕብር።

ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ኣብ’ዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ኣወዳዲሩ ሰራሕተኛታት ክቆጽር ስለዝደለየ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መምዘኒ ተማልኡ ደለይቲ ስራሕ መረጋገጺ ሰነዳትኩም ድሕሪ ሚ/ሪ ንግድን እንዳስትሪን ኣብ ዘሎ ማ/ቤ/ጽ ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኩ.ኤ ኣብ ኣካል ፐርሰነል ከተቕርቡ ንሕብር።

ተ/ቁ መደብ ስራሕ ዝድለ ብቕዓት ተመክሮ ስራሕ ብዝሒ

1 ኣካውንታንት ብኣካውንታንት ድግሪ/ዲፕሎማ ልዕሊ 3 ዓመት 1

2 ታሓዝ ንብረት 12 ክፍሊ ዝወደአ ልዕሊ 3 ዓመት 1

3 ምክትታል ሕርሻ ብሕርሻ ብስነ-ኣትክልቲ ድግሪ/ዲፕሎማ ልዕሊ 3 ዓመት 1

ተወሳኺ ሓበሬታሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይምልከቶ/ታ፡ ምልከት ኮምፒዩተር ዘለዎ/ዋ፡ ደሞዝ ብስምምዕ፡ ቦታ ስራሕ ቁጽሪ ሓደን-ክልተን (1-2) ኣስመራ፡ ቁጽሪ ሰለስተ (3) ዓላ፡ ተወዳደርቲ ግዜ ምልክታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ይልኣኸልና።ቁ.ቴ= 120778ቁ.ፖ.ሳ= 5613

ምልክታ ጨረታ

ምምሕዳር ዞባ ማእከል ንኣገልግሎት ፕሮጀክት ውሑስ ምሕደራ መሬት ዝውዕላ1. Computer (Work Station) with accessories2. Computers (Desk Top) with accessories3. Computers (Lap Top) etcብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ፡ ዝተሓደሰ ግቡእ ንግዳዊ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረትቲ ይዕድም። ዘድሊ ዝርዝርን ሓበሬታን ብዝሕን (Specification) ካብ ኣሃዱ ዕድጊ ቁ.39 ክወስድ ይከኣል። ተጫረቲ ኣቐዲሞም መኽበሪ ጨረታ ናቕፋ 20,000.00 (ዕስራ ሽሕ) ብቸክ ወይ ሲ.ፒ.ኦ የትሕዙ። ይኸውን። ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ን10 ተኸታተልቲ መዓልታት ክፉት ኮይኑ፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ስራሕ ልክዕ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ ይኽፈት።ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብምሉኡ ወይ ብኽፋሉ ንምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል

Page 11: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 11

ምልክታ

ኣነ ሃብቶም ፍስሃጽዮን ዝተብሃልኩ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣባሻውል ፓርሰል 5 መለለይ ገዛ ASD00008043 ጎደና ወድጋን ቁ.ገዛ 7/9 ዝርከብ ገዛይ ብጨረታ ካብ ወረስቲ ብሓራጅ ተዓዊተ ብቁ.ውዕል ኖታዮ 4101/2014 ናብ ስመይ ሓሊፉ፡፡ ኣብቲ ግዜ ጨረታ ብዕለት 1/8/2009 ኣነን ክልተ መሻርኽተይን ነቲ ገዛ መግዝኢ ዝኸውን ገንዘብ ኣዋጺእና ኣብ ቅድሚ ሰለስተ መሰኻኽር ኣብ ዝገበርናዮ ናይ መተኣማመኒ ሰነድ፡ ብስመይ ዝተመዝገበ ገዛ ኣብ ቅድሚ ረጅስትራር ላ/ቤ/ፍ ቀሪብና ናይ እምነት ቃለ መሓላ መረጋገጺ ሰነድ ተፈራሪምና።ስለዚ መሻርኽተይ ግቡእ ናይ ስም መተሓላለፊ ግብርን ቀረጽን ከፊሎም ክምዝገቡ ቀጺሉ ኣብ ቅድሚ ረጅስትራር ቀሪብና ብዝገበርናዮ ምቅሊት በብስምና ክምዝገብ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ እዚ ምልክታ’ዚ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍ ናይ መኣገዲ ትእዛዝ ሒዙ ናብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታሪ ሃገራዊ ካዳስተር ይቐርብ።

ሃብቶም ፍስሃጽዮን

ኣገዳሲ ምልክታ

ሃገራዊ ፌስቲቫል 2015 ካብ 24 ሓምለ ክሳብ 02 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ቁጽሪ ኤክስፖ ክካየድ ስለዝኾነ፡ ግዱሳት ይዕድም። ኣገልድሎት መግብን መስተን መሸጣ ፍርያት ውሽጢ ሃገርን ወጻእን (ባዛር) ምህዞን ሰንዓን ጉጅለታት ባህሊ ቆልዑን መንእሰያትንከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትሳተፉ ትደልዩ እዚ ምልክታ’ዚ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 20 ሓምለ 2015 ኣብ ከባቢ ሲቲ ፓርክ ዝርከብ ቤ/ጽ ሃ/ኣ/ሽማግለ በዓላት መጺእኩም ክትምዝገቡ (ቅጥዒ ክትመልኡ) ንሕብር።ሓበሬታኣብ መደብ ጉጅለታት ባህሊ፡ ቆልዑን መንእሰያት፡ ምህዞን ሰንዓን ንትሳተፉ ከምቲ ልሙድ ኣብ መወዳእታ ንብሉጽ ስራሕ (ሙዚቃ፡ ድራማ፡ ትልሂት) ናይ መተባብዒ ሽልማት ኣለዎ።

ቤ/ጽሕፈት ሃ/ኣ/ሽ/በዓላት

NOTICENotice is hereby given to the public that KIROS AND MILIETE PRIVATE LIMITED COMPANY is formed among the following members: A. Name Nationality Address No.of Shares 1. Mr. Kiros Tecle Oqubagaber Eritrean England 500 2. Mrs. Milite Tsegay Weldegaber Eritrean England 500

TOTAL 1,000

B. Head office of the company will be in Asmara, Eritrea and branch offices will be opened whenever and wherever necessary.

C. The share capital of the company is Nakfa 10,000,000.00 (Ten Million) divided into 1,000 (One Thousand) registered shares; the par value of each share is 10,000.00 (Ten Thousand) Nakfa. All shares are subscribed and fully paid up by the member’s in cash and in kind.

D. The business objectives of the company shall be: Production of blanket;1. Production of garment and textile products;2. General trading;3. Import and export textile related goods and raw materials;4. Any other legally permitted activities related to garment industry.5.

E. Mr. Kiros Tecle Oqubagaber is appointed as General Manager for unlimited period of time.

F. The company is established for unlimited period of time.

KIROS AND MILIETE PRIVATE LIMITED

VACANCY ANNOUNCEMENTRed Sea Bottlers Sh. Co. Invites qualified applicants for the following posts: 1. Position ……………. . . ….. Cost Accountant Education BA degree in accounting. Experience 4 years in accounting work Skills and knowledge Skill in costing of manufacturing and merchandising

goods, Knowledge of basic computer applications.

Age 25 – 45yrs Salary as per company scale Required quantity One2. Position ……………. . . …… Junior Accountant Education Advanced diploma from recognized university ( 12 + 3 ). Experience 3 years in accounting work Skills and knowledge Basic accounting skills, ability to prepare any accounting

transactions, good knowledge of computer applications.

Age 25 – 45yrs Salary as per company scale Required quantity One3. Post: ……………. . . …… Electrician Education: Technical school graduate in electricity. Skill: Ability to maintain and repair electrical parts of machineries. knowledge of Basic computer application. Experience: 4 years as an electrician. Quantity: 2 Age: 25 – 45 yrs Salary as per company scale.

Interested applicants are required to come and fill an application form and submit their non returnable CV and supporting documents to Red Sea Bottlers Sh. Co., Human Resources and Administration office, Tel 162540, within 10 days from the date of this announcement. Only short listed applicants will be contacted. Applicants must provide certificate of completion or exemption from national service.

VACANCY ANNOUNCMENTKerkebet Mining Share Company is vacancy qualified applicants for the following position for its site-project and office:

Geologist 1.

Number required: 4

Qualification and Experience:

Education – B.S.C in Geology

Work experience – minimum 4 years

Other abilities – Fluent in English language and good communication High level of computer knowledge, especially in CorelDraw, carbon, surfer, geomap, Photoshop software and the digital mapping system software, Long-time field work, the exploration experience of shaped mineral deposit Good health Age: 25-50

2. Translator Number required: 1

Qualification and Experience:Education – B.A. in English MajorOther abilities – English - Chinese translating and interpreting

High level of computer knowledge and primary Accounting Willing to work in Kerkebet Site

Good healthAge: 20-35

Additional Requests:-- Provide evidence of completion or exemption of National Service. Present clearance from current or last employment. -- Interested applicants are requested to write a letter of application, current C.V, and other related of documents.-- Applicants are also required a copy of their application to the Ministry of Labour and Human Affairs, Department of Labor, P, O. Box 5252 Asmara. Working date is one week from the date of this announcement.Address: Kerkebet Mining Share Company Tel: 112600P.O. Box: 9258

ምልክታ

ብስም ነፍ/ወላዲተይ ለተነብያት ገብረስላሴ፡ ኣብ ኣስመራ ምም/ንዞባ ኣባሻውል ጨርሒ ጎደና 1A132 ብናይ ንብረት ቁ.መዝገብ 4730/2015 ዋንነቱ ዝተረጋገጸ ገዛ፡ ወራሲት ኮይነ ሸይጠዮ፡ ናብ ስም ዓዳጊት ወ/ሮ ክብራ ገብረዝጊ ሳድስ ከመሓላልፍ ስለዝመደብኩ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍ መኣገዲ ሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪን ቤ/ጽ ሃገራዊ ካዳስትራልን ይቕረብ። ተቓዋሚ እንተዘይተረኺቡ ኦርጂናል ሰነዳተይ ሒዘ ጉዳየይ ክውድእ ምዃነይ እሕብር።

ወራሲት ነፍ/ለተነብያት ገብረስላሴወ/ሮ ርግኣት ኣስገዶም ይሕደጎ

Page 12: ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ሓልሓለ፡ ተመሃሮ ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072015.pdfምዕራፍ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ

ሓዳስ ኤርትራ 07 ሓምለ 2015 - ገጽ 12

Sabur Printing ServicesSabur Printing ServicesSabur Printing ServicesSabur Printing Services

ተስፋኣለም የማነፈደራላዊ ቤት-ፍርዲ ኣርጀንቲና፡ ንብረት

ናይተን ኣብ ደሴታት ፎልክላንድስ ዕደና ነዳዲ የካይዳ ከምዘለዋ ዝገለጸን ኩባንያታት ምዕራብ ክህገር ብይን ከምዘሕለፈ ሮይተርስ ካብ ቦይነስ ኣይረስ ገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻብ ናይ’ቲ ኣገልግሎት

ዜና፡ ምስ ብሪጣንያ ተሰማሚዐን ኣብተን ኣከራኸርቲ ደሴታት ንጥፈታት ዕደና የካይዳ ምህላወን ዝንገረለን ኩባንያታት ‘ፕሪመይር ኦይል’፡ ‘ፎልክላንድ ኦይል ኤንድ ጋዝ’፡ ‘ሮኮፐር ኤክስፕሎረሽን’፡ ‘ኖብል ኢነርጂ’፡ ከምኡ ድማ ‘ኤዲሰን ኢንተርናሽናል ስፓ’ ኮይነን፡ በቲ ብይን መሰረት ከም ጀላቡ ዝኣመሰለ ዋጋ 156 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ንብረተን ብመንግስቲ ክህገር’ዩ። ኮይኑ ግን፡ እተን ኩባንያታት ኣብ ውሽጢ ልኡላዊ ግዝኣት ኣርጀንቲና ዘካይድኦ ዝኾነ ንጥፈታት ስለ ዘይብለን፡ እታ ሃገር ነቲ ብይን ብኸመይ ከተተግብሮ ከምእትኽእል ንምግማቱ ኣጸጋሚ ምዃኑ ተዓዘብቲ የመልክቱ። ኣርጀንቲና፡ እተን ካብ ገማግም ባሕራ ወታሃደራት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፡

ኣንጻር ተቓወምቲ ሚሊሻታት ኲናት ከካይዱ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ደቂ-ኣንስትዮ’ታ ሃገር ዘሰንብድ ገበን ከምዝፈጸሙ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። እቲ ልኡኽ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን

ዝዘርግሖ መጽናዕታዊ ጸብጻቡ፡ ወታሃደራት መንግስቲ ኣብቲ ናይ ኲናት ዞባ ንዝርከባ ደቂ-ኣስንትዮ ካብ ቤተን ከይተረፈ እናጨወዩ ብጉጅለ ክጋሰስወን ከምዝጸንሑ፡ ኣረሜናዊ ተግባራቶም ንኸይክሻሕ ክብሉ ድማ ንሓያለ ካብተን ዝተጋሰስወን ደቂ-ኣስንትዮ ብህይወተን እንከለዋ ብሓዊ ኣቃጺሎም ከምዝቐተልወን ገሊጹ። እቲ ልኡኽ፡ ኣብ ምዕራባዊ ላዕላይ ኒል ካብ ዘዘራረበን 115 ግዳያትን ካልኦት ካብ ዝተወከሶም ሓያለ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ተበጊሱ’ዩ ነቲ ጸብጻብ ኣዳልይዎ። መንግስቲ

ኩውየት፡ ምስቲ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ሓደ መስጊዳ ዝተፈጸመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ኣብ ልዕሊ 40 ጥርጡራት ዜጋታታ ክሲ ክትምስርት ተዳልያ ምህላዋ ገሊጻ።ሰብ-መዚ ጸጥታ’ታ ሃገር ዝሓለፈ ሰንበት

ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ብ26 ሰነ ኣብ ርእሰ-ከተማ’ታ ሃገር ኣብ ሓደ ኣመንቲ ሺዓ ዝግልገልሉ መስጊድ ዝተፈጸመ ህይወት 26 ሰባት ዝቐተለን

እስራኤል፡ ምስ ዮርዳኖስ ካብ ዘዋስና ዶብ ነቲ 30 ኪሎ-ሜተር ብኣዝዩ ጽኑዕ ዝኾነ ሓጹር ክትሓጽሮ ንዘውጽኣቶ መደብ ካቢነ’ታ ሃገር ከምዘጽደቖ ተገሊጹ። ብመሰረት ሮይተርስ፡ እስራኤል ነቲ

ምስ ዮርዳኖስ ዘራኽባ ዶብ ብድልዱል ሓጹር ክትሓጽሮ ዝወሰነትሉ ምኽንያት፡ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ዘይሕጋዉያን ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ብመገዲ ዮርዳኖስ ኣቢሎም ሰሊኾም ይኣትዉዋ ብምህላዎም’ዩ። በዚ ድማ እቲ ሓጹር ምስ ተዛዘመ ስልኳ ናይ’ቶም ስደተኛታት ምሉእ ብምሉእ ክግታእ ምዃኑ ሰብ-መዚ ጸጥታ’ታ ሃገር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣመልኪቶም። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን

ነታንያሁ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሓጹር ኣብ ዉሽጢ ልኡላዊ ግዝኣት ሃገሩ ከምዝህነጽ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ንልኡላዊ መሬት ኮነ

ቻይና ብመሰረት’ቲ ኣቐዲማ ምስ ሩስያ ዝኸተመቶ ቁጠባዊ ስምምዕ፡ ናብ ሳይበርያ ዝዝርጋሕ ሓድሽ መስመር ሻምብቆ ጋዝ ክትሃንጽ ከምዝጀመረት ተገሊጹ። ብመሰረት ማዕከናት ዜና ሩስያ፡

ቻይና ንመስርሕ ህንጸት ናይ’ቲ ካብ ልኡላዊ ግዝኣታ ተበጊሱ ክሳብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ዝዝርጋሕ

ዕጡቓት ዳዕሽ፡ ኣብ ዶብ ሶርያን ቱርኪን ንእትርከብ ስትራተጂያዊት ከተማ ኮባኒ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ን120 ሰለማዉያን ነበርቲ ናይ’ታ ከተማ ብኣሰቃቒ ኣገባብ ከምዝቐተሉ ተገሊጹ። ብመሰረት ማዕከናት ዜና ዓለም፡ እቶም

ጥሩፋት ዕጡቓት ዝሓለፈ ሓሙስ ብሰለስተ መኣዝን ናይ’ታ ከተማ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም’ዮም ኣብ ሓጺር ግዜ ዳግማይ ክቆጻጸርዋ ክኢሎም። ነቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ሓይሊታት ኩርዲስታን ድማ ህይወቶም ንምድሓን ክብሉ ነታ ከተማ ራሕሪሖማ ክሃድሙ ተገዲዶም። ፍጹም ዝዓነወ ኣባይቶም ዳግማይ ክሃንጹ ጀሚሮም ዝጸንሑ ነበርቲ ናይ’ታ ከተማ’ውን ካብቶም ዕጡቓት ምሕረት ከምዘይርከብ ተገንዚቦም መረበቶም ራሕሪሖም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ’ዮም

724 ኪሎ-ሜተር ጥራይ ርሒቐን ኣብ ኣላንቲካዊ ውቅያኖስ ተደኲነን ዝርከባ እኩባት ደሴታት ኣካል ልኡላዊ ግዝኣታ ከምዝኾና’ያ ትምጉት። እታ ሃገር፡ ነተን ደሴታት ብሓይሊ ንምቁጽጻር ኣብ 1982 ምስ ብሪጣንያ ኲናት ገጢማ ምንባራ’ውን ይግለጽ። ደሴታት ፎልክላንድስ፡ ሓደ ቢልዮን በርሚል ዝግመት ዕቑር ነዳዲ ከምዘለወን ብመጽናዕቲ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ብሪጣንያ ነቲ ጸጋ ንምምዝማዝ ምስ

ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ ንዕቑር ነዳዲ ደሴታት ፎክላንድስ ዝዕድና ኩባንያታት ስጉምቲ ትወስድ

ሓያለ ኩባንያታት ነዳዲ ውዕል ክትክትም ከምዝጸንሐት’ዮም ጸብጻባት ዘመልክቱ። በዚ ከኣ እቲ ምስ ኣርጀንቲና ዝጸንሓ ወጥሪ ብዝኸፍአ መልክዑ እናኸረረ ከምዝኸደ እቶም ጸብጻባት የረድኡ። ደሴታት ፎልክላንድስ ኣስታት 3 ሽሕ ነበርቲ ከምዘለውወን፡ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ብሪጣንያ ክቕጽሉ ከምዝደልዩ ይግለጽ። ደቡብ ሱዳን ብወገኑ፡ ወታሃደራቱ ነቲ ዝበሃል

ዘሎ ገበናት ብሓቂ ፈጺመሞ እንተደኣ ኮይኖም ንምርግጋጹ ኣድላዪ ምጽራያት ከካይደሉ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ። እቶም ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ወታሃደራት ናብ ቅድሚ ፍርዲ ቀሪቦም ግቡእ ፍርዶም ክዋሃቡ ምዃኖም ድማ ወሲኹ ቃል ኣትዩ። ደቡብ ሱዳን፡ ብህዝባዊ ረፈረንደም ኣብ

ሓምለ 2011 ካብ ሱዳን ተነጺላ ናጽነታ ብወግዒ ድሕሪ ምእዋጃ’ያ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ታሕሳስ 2013 ናብ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣትያ። በቲ ገና ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዛጊት ብ10ተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት’ታ ሃገር ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ኮይኖም ከምዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

“ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣስንትዮ ኣሰቃቒ ገበን ፈጺሙ” ው.ሕ.ሃገራት

ኩውየት፡ ኣብ ልዕሊ 40 ዜጋታታ ክሲ ትምስርትካልኦት 227 ዘቑሰለን ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ብዳዕሽ ከምዝተኻየደ ድሕሪ ምምልካት፡ ኣብቲ ገበን ምትሕብባር ናይ ልዕሊ 40 ዜጋታት ኩዉየት ከምዝነበረ ዘመልክት መርትዖታት ረኺቦም ከምዘለዉ ኣረዲኦም። ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ጥርጡራት ሓያለ ደቂ-ኣስንትዮ ከምዝርከብኦም’ውን እቶም ሰብ-መዚ ጠቒሶም ኣለዉ። ኣብ ሶርያን ዒራቕን

ሰፊሕ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ዳዕሽ፡ ኣብ ኩውየት መጥቃዕቲ ከካይዱ እዚ ናይ ፈለማኦም ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ንህዝቢ’ታ ሃገር ብሃይማኖት ኣተፋኒንካ ናብ ውግእ ሓድሕድ ከምዝኣቱ ንምግባር ዝዓለመ ምንባሩ ድማ ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ወሲኾም የመልክቱ። ኩውየት፡ ተኸተልቲ ሱኒን ሺዓን ዝኾኑ ኣስታት 3.4 ሚልዮን ህዝቢ ከምዘለዋ ይንገረላ።

እስራኤል ምስ ዮርዳኖስ ንዘዋስና ዶብ ክትሓጽሮ ወሲና

ሃገራዊ ረብሓታት ዮርዳኖስ ፈጺሙ ከምዘይትንክፍ ኣስሚርሉ። እስራኤል፡ ካብ ሱልካ ፍልስጤማዉያን ዕጡቓት ንምድሓን ክትብል ነቲ ምስ ወሽመጥ ቃዛን ምዕራባዊ ገማግምን ዘራኽባ ዶብ ብመንደቕ ኮንኩሪት ሓጺራቶ ከምዘላ ይሕበር። ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ምስ ግብጺ ዘራኽባ ዶብ 5 ሜትሮ ብዝብራኸኡ

ሓጹር፡ ነቲ ምስ ሊባኖስን ሶርያን ዘዋስና ድማ ብተመሳሳሊ ሓጹር ዓጽያቶ ከምዘላ ይግለጽ። እስራኤል ን240 ኪሎ-ሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ ምስ ዮርዳኖስ ከምዘለዋ ይፍለጥ። ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1994 ውዕል ሰላም ብምኽታም ነቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ባእሲ ከምዘህድአኦ’ውን ይሕበር።

ልዕሊ 4 ሽሕ ኪሎ-ሜተር ርሕቀት ዘለዎ መስመር ሻምብቆ ዝሓለፈ ሰኑይ’ያ ብወግዒ ጀሚራቶ። ተዛዚሙ ኣገልግሎት ክህብ ክሳብ ዝጅምር ድማ ኣርባዕተ ዓመት ክወስደላ ምዃኑ ይሕበር። እቲ መስመር ምስተዛዘመ፡ ቻይና ካብ ሩስያ ዓመታዊ 38 ቢልዮን ሜተር-ክዩብ ጋዝ ከተእቱ ክትክእል’ያ።

ቻይና፡ ናብ ሳይበርያ ዝዝርጋሕ ሓድሽ መስመር ሻምብቆ ጋዝ ክትሃንጽ ጀሚራ

ቻይና፡ ምስ ቅልጡፍ ገስጋስ ቁጠባኣ ኣብ መጻኢ ከጋጥማ ንዝኽእል ከቢድ ሕጽረት ቀረብ ጸዓት ንምቅላል ክትብል’ያ ነቲ ስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ 2014 ምስ ሩስያ ከቲማቶ። ብመሰረት’ቲ ስምምዕ፡ ሃገራዊ ኮርፖረሽን ነዳዲ ቻይና ን30 ዓመት ዝኣክል ካብ ሩስያ ብዘይ ምቁራጽ ጋዝ ከእቱ ክኽእል’ዩ።

ግዳይ ዳዕሽ ኮይኖም። መብዛሕቶም ግዳያት ቈልዓ-ሰበይቲ ኮይኖም፡ ገሊኦም ብኻራ ተሓሪዶም ዝተረፉ ድማ ብዓረር ጥይት’ዮም ተቐቲሎም። “ሓደ ካብቲ ኣብ ሶርያ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ህልቂት!” ክብሉ ከኣ ሓያለ ወገናት ክገልጽዎ ቀንዮም ኣለዉ።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ዳዕሽ ኣብ ሶርያ

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ንልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ከምዝሓረደን ከምዝረሸነን ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ገሊጹ። ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኣኽራሪ ዕጡቕ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝሓለፈ ስነ 2014 ናብ ሶርያ ድሕሪ ምእታዎም ዛጊት ን3,027 ሰባት ቀቲሎም ከምዘለዉ፡ ካብኣቶም እቶም 1,787 ሰለማውያን ሰባት፡ 900 ወታሃደራት መንግስቲ፡ 216 ተቓወምቲ ዕጡቓት፡ 74 ድማ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ህጻናት እዮም። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብዘይካ’ዚ ን143 ኣባላቱ’ውን ከምዝረሸነ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ሶርያ፡ ዳዕሽ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት 120 ሰለማዉያን ሰባት ቀቲሉ