ዒድ ኣል-ፈጥር ኣል-ሙባረክ ብኽብ ዝበለ መዓርግ...

12
መበል 25 ዓመት ቁ.267 ሓሙስ 7 ሓምለ 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 3 ኣብ ጁፒተር ድሙቕ ባና ... “ዝቐሰምናዮ ትምህርቲ፡ ናብ ዝለዓለ ... ገጽ 6 ገጽ 7 ገጽ 8 ገጽ 9 ብልሓተኛ ደራሲ! ቀቢላ ዴንካ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ መንጎ ኢጊላን ሰንዓፈን ኣብ ዘሎ ጸሊም ጽርግያ፡ ብውሕጅን እርጋንን ዓንዩ ዝጸንሐ ድንድል፡ ብምትሕብባር ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ይጽገን ኣሎ። ነቲ ስራሕ ዝከታተል ዘሎ ኣባል ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ኣቶ ዑቕባይ ገብረሚካኤል፡ እዚ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ዝጀመረ ዕማም፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጽገና፡ ካብ ጎቦታት ብዝወረደ ሓመድ ተደፊኑ ዝጸንሐ ጸሊም ጽርግያ ንምጽራግ እውን ከምዘጠቓልል ገሊጹ። ናይ ምሳሕ እንግዶት ብምድላው፡ ነቶም ኣብ’ቲ ስራሕ ዝሳተፉ ኣብ ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ሰምበል ዝርከቡ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ፡ ዒድ-ኣልፈጥር ኣል-ሙባረክ ብኽብ ዝበለ ኣገባብ ኣብዒሎም። ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ’ቲ ማእከል ኣብ ዝርከብ መስጊድ ሰላም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ናይ ሕጊ ተኣራሚ ሸኽ ማሕሙድ ናውድ ነቲ በዓል ዝምልከት ዂጥባን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይ’ቲ በዓልን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምቕራብ፡ መንግስቲ፡ ንተራ ሃይማኖት ዒድ ኣል-ፈጥር ኣል-ሙባረክ ብኽብ ዝበለ መዓርግ ተባዒሉ ዒድ ኣል-ፈጥር ኣል-ሙባረክ፡ ትማሊ 6 ሓምለ ኣብ መላእ ሃገር ብኽብ ዝበለ መዓርግ ተባዒሉ። ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ምእመናን ንሓባራዊ ሰላት ዒድ “ኣላሁ ኣክበር” እናበሉ ብንግሆኡ’ዮም ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ተኣኻኺቦም። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መእመናንን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ብሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣልኣሚን ዝተመርሐ ሰላት ዒድ ተኻዪዱ። ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣብ ዘስመዕዎ ኹጥባ፡ “ዘይድንግጽ ኣይድንገጸሉን” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ’ዚ ክቡር ዕለተ-ዒድ፡ ይቕረ ብምብህሃል ልብና ከነንጽህ፡ ንዝተጸገሙን ንዘኽታማትን ክንሕግዝ፡ ንዝሓመሙ ከነጸናንዕ ከምኡ’ውን ንሓድሕድና ክንፋቐር ተላብዮም። ሼኽ ኣልኣሚን ወሲኾም፡ ብዛዕባ ዘካት ዒድ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ዒድ ጽጋብን ሓጐስን፡ ዒድ ሰላምን ኣብ ምዂስኳስ ቅኑዕ ስነ-ምግባርን ምእራም ግጉያትን ዘለዎ ኣበርክቶ ዓቢ ምዃኑ ተረዲኡ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ቀዳምነት ክወሃቦ ንዝገብሮ ጻዕሪ ኣመስጊኑ። ኣዛዚ ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ሰምበል ሜጀር መሓሪ ዓንደብርሃን ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ’ቲ ማእከል፡ ሞያውን ኣካዳሚያውን ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ከምዝወሃብ፡ እዚ ድማ ሰምበል - ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ዒድ-ኣልፈጥር ብድምቀት ኣብዒሎም ኣብ ምእራሞም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣረዲኡ። እቶም ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ብወገኖም፡ ሃይማኖታዊ በዓላት ኪኖ’ቲ ንመንፈስ ዝህብዎ ርግኣት - ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ስኒትን ፍቕርን ንምሕያል ከምዘገልግሉ፡ ኣብ ማእከላት ምእራምን ተሃድሶን ተደኲነን ዘለዋ ሃይማኖታዊ ትካላት - ብቕኑዕ ስነ-ምግባር ኣብ ምኹስኳሶም ልዑል ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ ሓቢሮም። ዘለዉ ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ንምትብባዕ ዝመጹ ወከልቲ ህዝቢ ከተማ ሰንዓፈ፡ እቲ ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም ኣብ ምግታእ ሓደጋታት ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ንምዕዋቱ እጃሞም ከበርክቱ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ንሳቶም ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኣብ መዳይ መጓዓዝያ ብዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ፡ ዝነበሮም ሃልኪን ጸገምን ከምእተቓለለ ብምጥቃስ፡ ኣብ መስመር ኣስመራ - ሰንዓፈ ብውሕጅ ተበላሽዩ ዝርከብ ድንድላት’ውን ቈላሕታ ክግበረሉ ኣዘኻኺሮም። *** ኣብ ጽርግያ ኢግላ - ሰንዓፈ ዝርከብ ድንድል ይጽገን ርግኣትን፡ ዒድ ዕቤትን ብልጽግናን ክኾነልና፡ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም። ስ/የውሃንስ መብራህቱ ስ/ናዝሬት በይን ሃይማኖታዊ በዓላትና፡ መግለጺ መንነትናን ሓድነትናን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ምንብባርን ምክብባርን ባህሊ ናብ ወለዶታት ዘሰጋግር ሓይሊ ከምዘለዎ፡ ነበርቲ ከተማ ዓሰብ ገሊጾም። ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ሃይማኖታዊ በዓል ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ዝካፈሎ ምዃኑ፡ እዚ ድማ ካብ ብርቂ ክብርታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ከምዝኾነ ኣስሚሮምሉ። ንሰናይ ስነ- ምግባርን ፍቕርን ዝዂስኲስ ተራ ስለዘለዎ፡ ስድራቤታት ልዑል ግምት ክህብኦ ድማ ኣዘኻኺሮም። “ሃይማኖታዊ በዓላትና መግለጺ ሓድነትና” ነበርቲ ዓሰብ ቱር ደ ፍራንስ

Upload: others

Post on 19-Sep-2019

11 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

መበል 25 ዓመት ቁ.267 ሓሙስ 7 ሓምለ 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

²Ãö 3

²Ãö 3

²Ãö 3

ገጽ 3

ኣብ ጁፒተር ድሙቕ

ባና ...“ዝቐሰምናዮ ትምህርቲ፡

ናብ ዝለዓለ ...

ገጽ 6 ገጽ 7 ገጽ 8 ገጽ 9

ብልሓተኛ ደራሲ!ቀቢላ ዴንካ

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ መንጎ ኢጊላን ሰንዓፈን ኣብ ዘሎ ጸሊም ጽርግያ፡ ብውሕጅን እርጋንን ዓንዩ ዝጸንሐ ድንድል፡ ብምትሕብባር ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ይጽገን ኣሎ።ነቲ ስራሕ ዝከታተል ዘሎ ኣባል

ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ኣቶ ዑቕባይ ገብረሚካኤል፡ እዚ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ዝጀመረ ዕማም፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጽገና፡ ካብ ጎቦታት ብዝወረደ ሓመድ ተደፊኑ ዝጸንሐ ጸሊም ጽርግያ ንምጽራግ እውን ከምዘጠቓልል ገሊጹ።ናይ ምሳሕ እንግዶት ብምድላው፡

ነቶም ኣብ’ቲ ስራሕ ዝሳተፉ ኣብ ማእከል ምእራምን ተሃድሶን

ሰምበል ዝርከቡ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ፡ ዒድ-ኣልፈጥር ኣል-ሙባረክ ብኽብ ዝበለ ኣገባብ ኣብዒሎም።ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ’ቲ ማእከል ኣብ

ዝርከብ መስጊድ ሰላም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ናይ ሕጊ ተኣራሚ ሸኽ ማሕሙድ ናውድ ነቲ በዓል ዝምልከት ዂጥባን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይ’ቲ በዓልን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምቕራብ፡ መንግስቲ፡ ንተራ ሃይማኖት

ዒድ ኣል-ፈጥር ኣል-ሙባረክ ብኽብ ዝበለ መዓርግ ተባዒሉዒድ ኣል-ፈጥር ኣል-ሙባረክ፡ ትማሊ

6 ሓምለ ኣብ መላእ ሃገር ብኽብ ዝበለ መዓርግ ተባዒሉ።ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ምእመናን

ንሓባራዊ ሰላት ዒድ “ኣላሁ ኣክበር” እናበሉ ብንግሆኡ’ዮም ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ተኣኻኺቦም።ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን

መንግስትን ግንባርን፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መእመናንን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ብሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣልኣሚን ዝተመርሐ ሰላት ዒድ ተኻዪዱ።ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን

ዑስማን ኣብ ዘስመዕዎ ኹጥባ፡ “ዘይድንግጽ ኣይድንገጸሉን” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ’ዚ ክቡር ዕለተ-ዒድ፡ ይቕረ ብምብህሃል ልብና ከነንጽህ፡ ንዝተጸገሙን

ንዘኽታማትን ክንሕግዝ፡ ንዝሓመሙ ከነጸናንዕ ከምኡ’ውን ንሓድሕድና

ክንፋቐር ተላብዮም።ሼኽ ኣልኣሚን ወሲኾም፡ ብዛዕባ ዘካት

ዒድ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ዒድ ጽጋብን ሓጐስን፡ ዒድ ሰላምን

ኣብ ምዂስኳስ ቅኑዕ ስነ-ምግባርን ምእራም ግጉያትን ዘለዎ ኣበርክቶ ዓቢ ምዃኑ ተረዲኡ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ቀዳምነት ክወሃቦ ንዝገብሮ ጻዕሪ ኣመስጊኑ።ኣዛዚ ማእከል ምእራምን ተሃድሶን

ሰምበል ሜጀር መሓሪ ዓንደብርሃን ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ’ቲ ማእከል፡ ሞያውን ኣካዳሚያውን ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ከምዝወሃብ፡ እዚ ድማ

ሰምበል - ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ዒድ-ኣልፈጥር ብድምቀት ኣብዒሎም

ኣብ ምእራሞም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።እቶም ናይ ሕጊ

ተኣረምቲ ብወገኖም፡ ሃይማኖታዊ በዓላት ኪኖ’ቲ ንመንፈስ ዝህብዎ ርግኣት - ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ስኒትን ፍቕርን ንምሕያል ከምዘገልግሉ፡ ኣብ ማእከላት ምእራምን ተሃድሶን ተደኲነን ዘለዋ ሃይማኖታዊ ትካላት - ብቕኑዕ ስነ-ምግባር ኣብ ምኹስኳሶም ልዑል ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ዘለዉ ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ንምትብባዕ ዝመጹ ወከልቲ ህዝቢ ከተማ ሰንዓፈ፡ እቲ ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም ኣብ ምግታእ ሓደጋታት ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ንምዕዋቱ እጃሞም ከበርክቱ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።ንሳቶም ብተወሳኺ፡ መንግስቲ

ኣብ መዳይ መጓዓዝያ ብዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ፡ ዝነበሮም ሃልኪን ጸገምን ከምእተቓለለ ብምጥቃስ፡ ኣብ መስመር ኣስመራ - ሰንዓፈ ብውሕጅ ተበላሽዩ ዝርከብ ድንድላት’ውን ቈላሕታ ክግበረሉ ኣዘኻኺሮም።

***

ኣብ ጽርግያ ኢግላ - ሰንዓፈ ዝርከብ ድንድል ይጽገን

ርግኣትን፡ ዒድ ዕቤትን ብልጽግናን ክኾነልና፡ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

ስ/የውሃንስ መብራህቱ

ስ/ናዝሬት በይን

ሃይማኖታዊ በዓላትና፡ መግለጺ መንነትናን ሓድነትናን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ምንብባርን ምክብባርን ባህሊ ናብ ወለዶታት ዘሰጋግር ሓይሊ ከምዘለዎ፡ ነበርቲ ከተማ ዓሰብ

ገሊጾም።ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ

ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ሃይማኖታዊ በዓል ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ዝካፈሎ ምዃኑ፡ እዚ ድማ ካብ ብርቂ

ክብርታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ከምዝኾነ ኣስሚሮምሉ። ንሰናይ ስነ-ምግባርን ፍቕርን ዝዂስኲስ ተራ ስለዘለዎ፡ ስድራቤታት ልዑል ግምት ክህብኦ ድማ ኣዘኻኺሮም።

“ሃይማኖታዊ በዓላትና መግለጺ ሓድነትና” ነበርቲ ዓሰብ

ቱር ደ ፍራንስ

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 2 መበል 25 ዓመት ቁ.267

ሎሚ ኣብ ERI-TVሰዓት መደብ

12፡00 ካርቱን 12፡30 ዜና ትግርኛ12፡50 ጉዳይ ኣብ ዘተ 13፡30 ዜና ዓረብ13፡40 ፓኖራማ 14፡20 when living with mother in law E- 18 15፡05 ንቐባኣ ዝምልከት መደብ 15፡45 ብሙዚቃ ትልሂት ዝተሰነየ ምርኢት 16፡30 national geographic 17፡25 መደብ ናትራን 19፡25 ገለብ ደሓን 20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ልዝብ መንእሰያት 21፡00 ዜና ትግርኛ21፡25 ምኽሪ ሞያውያን (ብቐጥታ) 22፡00 ዜና ዓረብ 22፡10 ኢድኣት22፡30 ዜና እንግሊዝ22፡40 FILM

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ አስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ዋና ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊት እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስ ኣስቴር ካሕሳይ

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ግሩም ዝዀነ ፈሽፈሽታ ናይ ኣጋ ግዜ ምስ ንፋስ ሃረመኒ። ክስከሞ ዝኸበደኒ ሓጎስ ኣብ ውሽጠይ ተውዛሕዛሕ በለ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዝጭበጥ ነገር እንከይረኸብኩ’ውን ፍሉይ ደስታ ይወርረኒ’ዩ። ሰማይ’ኮ ከም ናይ ወትሩ’ዩ ዘሎ፡ መሬት’ውን ከምኡ። እዚ ምኡዝ ፈሽፈሽታ ንፋስ ግን ብሕሹኽታ ድምጹ ፍሽኽታኡ ምስ ኣውረሰኒ ሓጐስ ዓሰለኒ። ገለ ዝበለኒ’ውን መሰለኒ። “እንታይ በልካ? እንታይ ማለትካ ኢኻ?” ሓተትክዎ። ዕላሉ ስለ ዘይቀጸለ፡ ሕርቃን ክትል

ክብለኒ ደለየ። ግና ሓጐሰይ ክሸራረፍ ስለ ዘይደለኹ ዕሽሽ በልክዎ። ድሓን ይእቶ! ዝበዝሕ ጽቡቕ ገይሩ’ዩ። ምስ ውሽጠይ ከም ዝዛረብ ብምግባሩ’ውን ካብ’ቲ ዘቖጠዓኒ - ዘሐጐሰኒ ይዛይድ። ሳላኡ፡ ሎሚ መዓልቲ’ውን ከም’ተን ካልኦት ውሑዳት መዓልታት በጨቕታ ሓጎሰይ ንምድሪ-ቤት ኣጨቀዎ። ሳላ ኣብ ህውታተ ዘሎ ናጽነት፡ ደስታ ኣናዲኻ ንኽትረኽቦ ዝኣስረካ ገመድ ነዊሕ’ዩ - እንሆ’ኳ ይንቀሳቐስ ኣለኹ።ናብ ዓርከይ’የ ዘምርሕ ነይረ።

ኣብ ቦታ ቆጸራ ምስ በጻሕኩ፡ ዓርከይ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ቦታ ሒዙ ርኣኽዎ። ቅድሚ ሰላምታ፡ “ስማዕ’ንዶ ንሕና ዲና ንመሬት ተሰኪምናያ ዘሎና ዋላስ ንሳ’ያ ተሰኪማትና ዘላ?” ክብል ምስ ሓተትኩ፡ ኣዒንተይ ዝተጨማደደ ገጽታ ጥራይ ተመልከታ። ኣነ ግን ፍሽኽሽኽ ምባል ገና ኣየቋረጽኩን።ብጻየይ ነታ ማይ ዝሓዘት ብርጭቆ

ሓፍ ምስ ኣበላ እውን፣ “ማለተይ ንስኻ ዲኻ ነዛ ማይ ተሰኪምካያ ዘለኻ ዋላስ ንሳ’ያ ተሰኪማትካ ዘላ?”

ኣስዓብኩ። ብጻየይ፡ “ተረዲአካ፡ እዛ ኣጽሊለላ

ዘለኹ ገረብ’ሲ ኣነ ድየ ተሰኪመያ ዘለኹስ ዋላ ንሳያ ተሰኪማትኒ ዘላ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ?”“ብልክዕ! እዚ ቆጽሊ ድዩ ነቲ

ጉንዲ ተሰኪምዎ ዘሎ ዋላስ እቲ ጉንዲ’ዩ ነቲ ጨናፍር ምስ ኣቑጽልቱ ተሰኪምዎ ዘሎ?”“ዓርከይ ልክዕ ኣሎኻ፡ ማለትካ’ሲ፡

ንስኻ ዲኻ ንሓንጎልካ ተሰኪምካዮ ዘሎኻ፡ ዋላስ ንሱ’ዩ ተሰኪሙካ ዘሎ?” ፍሽኽ እናበለ መለሰለይ። ይላገጽ ከም ዘለኹ ሓሲቡ ማዕረይ ዳእላ ቀጸሎ።“ስማዕ ንስኻ ሓኪም ኢኻ፡ ስለዚ

ንስኻ ዲኻ ሕማማት ተሰኪምካ ትነብር ዘሎኻስ እቲ ሕማም’ዩ ናብራኻ ንኸተሳሲ ተሰኪሙካ ዝነብር ዘሎ?” ሕርቕ ኢለ መለስኩሉ። ፍሽኽታይ ድሮ ሃሲሱ ኣሎ።ብሞያኡ ስለ ዝመጻእክዎ’ዩ መስለኒ

ሕርቕ ኢሉ፡ “ኣንታ በጃኻ’ንዶ ኣነ’ኮ እንተነፈሰልካ ኢለ’የ ንሓሳባት ዓለምካ ከሳሲ ጸኒሐ። ብዘይ ቃል-ዓለም እስኪ መልሰለይ! ትማሊ ድያ ንሎሚን ጽባሕን ተሰኪማተን ዘላ ወይስ ሎሚን ጽባሕን’የን ንትማሊ ተሰኪመንኣ ዘለዋ?” ሓተተኒ።“ክላእ ግደፎ’ንዶ ንሱ፡ ጽባሕ

ድሕሪ ጽባሕ ዝብል ኣዘራርባ እንተመጺኡ’ኮ ‘ዘይምህላው’ እዩ ዝሕብር። ሓደ መዓልቲ ካብ’ተን ጽባሓት ብርግጽ ኣይክህሉን’የ። ስለዚስ. . .” መትንታተይ ሓሳባት ምጭንጓዕ ኣቋረጹ።“ሎሚ ከም ዘሎኻ’ኸ ኣረጋጊጽካ

ፈሊጥካ ዲኻ? ማለት ንስኻ ዲኻ ንውሽጥኻ ተሰኪምካ ትዛውን ዘሎኻ፡ ውሽጥኻ’ዩ ተሰኪሙ ዘላህየካ

ዘሎ?”“ኖእ እዚኣ ከም’ቲ ናይ ጸላምን

ብርሃንን ክርፍስ’ያ። ማለተይ ‘ብርሃን ድዩ ኣብ ውሻጠ ጸልማት ተቖጻጽዩ ዝዓስል ዋላስ ጸልማት’ዩ ኣብ ውሻጠ ብርሃን ተሞኽልዩ ዝስዕር?’ እኮ ኢኻ ትብለኒ ዘሎኻ?” ኣመኽነኹ።“ብሓጺሩ፡ ኣነ ድየ ዓርከይ ስለ

ዝዀንካ ዝስከመካ ዘለኹስ ንስኻ ኢኻ ዓርከይ ኢልካ ትስከመኒ ዘሎኻ?” ኣዝያ ከባድ ሕቶ፡ ዝመሰለካ

ዘይትምልሰላ ሕቶ ሓተተኒ። “እዋእ ኣነ መርከብ ጥራይ ኣይኰንኩን። ንስኻ’ውን ባሕሪ ጥራይ ኣይኮንካን። ክልተና ነናትና ባሕሪ ኣሎና፡ ሓቀይ’ዶ?” ንከየሕርቖ እናተጠንቀቕኩ ኣመኽነኹ።“ኣጆኻ ብጻየይ፡ ብዙሕ

ኣይትሰከፍ። ንስኻ መርከብ ኣይኰንካን፡ ባሕሪ’ውን ኣይኰንካን። መርከብን ባሕሪን ወናኒ ኣለወን - ንስኻ ድማ ኢኻ ዋና መርከብካ። ንስኻ ዋና ውሽጥኻ። ናብ ድላይካ ጀልብ፡ ንውሽጥኻ ናብ ቃሕታኻ ኣሽከርክሮ። ግና ተጠንቀቕ፡ ‘መርከበኛ ኣንፈት መርከቡ ድኣ’ምበር፡ ኣንፈት ንፋስ ኣይቅይርን’ እዮም ዝብሉ። ካብ’ታ ማዩ ምዑግ ኣበለ።“ሓቂ ንምዝራብ’ኳ ንስኻ ኢኻ

ተሰኪምካኒ ዘሎኻ! መን’ዩ‘ስከ ኣብ ናይ ጽላለ ዓለምካ ተሓዊሱ ንስኻ ዘምስለካ። ሕጂ’ኮ ብሓንሳብ ክንጽለል ጸኒሕና ኢና።”ዓርከይ ግንባሩ እናሓዘ፡ “ኖእ፡

ዋላ ሓደ ንዋላ ሓደ ኣይስከሞን’ዩ። ንስኻ ዓርከይ ምዃንካ ደስ ዘብለኒ ነገር እንተ ሃልዩ ‘ትሰምዓኒ’ምበር ኩሉ ግዜ ትሰማማዓኒ ዘይምዃንካ’ እዩ! ፍልልያትና ንቕድሚት ጥራይ

መን’ዩ ሰከም?

ኣገደስቲ ቴሌፎናት

ሆስፒታል ሓሊበት 18 54 00

ሆስፒታል ኦሮታ 20 19 17

ፖሊስ ኤርትራ 12 77 99

ኮርፖሬሽን ኤለትሪክ ሲቲ

12 22 22

ፋርማችያ ቁ. 1 127565

መጥፋእቲ ሓዊ 202099

ዓወት ተስፋማርያም ዘሽከርክሩ ምዃኖም’ዩ።”“ግን ስማዕ’ንዶ፡ ንሕና ዲና ንሎሚ

ተሰኪምና ናብ ጽባሕ ንወስዳ ዘለና- ባዕላ ‘ሎሚ’ እያ ተሰኪማ ናብ ጽባሕ እተብጽሓና?” ገና መልሲ ስለ ዘይረኸብኩ ሓተትኩ። ስቕ ስለዝበለ ድማ መሊሰ “ሰዓታት ምብራቕ ጸሓይ እንከይኣኸለ፡ ንሎሚ ደፋፊእና ጽባሕ ክንገብራ እንታይ ጸገም ይህልዎ?” በልኩዎ። “እንድዒ ምናልባት‘ዛ ምድሪ

ዝብልዋ ‘ምስካምኩም ኣሸጊሩኒ እዩ’ሞ፡ ንስኹም ድኣ ግደኹም ኣብርዩኒ - ተሰከሙኒ’ ትብለና ትኸውን። ግን’ሲ፡ እዚ ባህሪ ድዩ ተሰኪሙና ዘሎ፡ ዋላስ ንሕና ኢና ንባህሪ ተሰኪምናዮ ዘሎና?” ሓተተኒ።“ዋእ! እቲ ባህሪ ድኣ ኣሎ ድዩ

ክሳብ ሕጂ? ማለት’ሲ ባህሪ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ጽቡቕ ናይ ካልእ ሰብ ንኽሓስብ’ዩ ዝድርኾ። ቅድሚ ዘመነ ‘ስርረት ዝበለጸ ወይ ድልዊ’ ማለተይ’የ። ሰብ ንሰብ እናነኸሰ፡ ብዛዕባ ኣብ ደረጃ ምጽናት ዘለዉ እንስሳታት ይሓስብ ኣሎ። እቶም እንስሳታት እንታይ ይሓስቡ ድኣ ኣይንፈልጥን‘ምበር፡ ንሶም ንባዕሎም ብዛዕባ ኣብ ደረጃ ምጽናት ዘሎ ‘ወዲ-ሰብ’ ይዝትዩ ይህልዉ? ሕጂ’ስ መን’ዩ ሰኸም?”“ባህሪ’ሲ ይሃሉ ድኣ! እንተ

ጐዲሉ’ውን ተጣቢብና ንምልኣዮ፡ ሓቀይ’ዶ? ጥበብ እንታይ ዘይልውጦ ኣሎ! ሰብ ንዓወት ክሕዞ ክጐዪ እንከሎ፡ ጥበብ ጐፍ ኢሉ ለቀብ ኣቢሉ ሒዙዎ ይብሃል። ድሓን

ይእቶ ጥበብ ክሳብ ሕጂ ንሰብ እሙን’ዩ ዘሎ። ሰብ ግን ንጥበብ እሙን ድዩ?” ዓርከይ ካብ ሓኪም ናብ ጥበበኛ ተቐየረ። ምዃን ሓኪም ጥበበኛ’ዩ! ኩሉ ሰብ’ውን ጥበበኛ!“ኣይፈለጥኩን። ግን ዓወት ድዩ

ንጥበብ ዝስከሞ ዋላስ ጥበብ’ዩ ንዓወት ዝስከሞ። ኣነ ንኣብነት - መወዳድርተይ እንተ ዘይተዓዊቱ ዝተዓወትኩ ይመስለኒ’ዩ። ስለዚስ እዚ ጥበብ ድዩ ተሰኪሙዎ እቲ ዓወት’ዩ ተሰኪምዎ?”“እንታይ?! እዚ ጥበብ’ሲ ነቲ

ዓወትካ ተሰኪሙዎ ኣሎ ማለትካ ድዩ? ዘየለ’ዶ ነቲ ዘየለ ይስከሞ’ዩ? ናይ ‘ደበስ-ጥበብ’ ጥበብ ኣይኰነን፡ ውድቀት ናይ‘ቲ ካልእ ድማ ዓወትካ ኣይኰነን። ስለ’ዚስ መን ንመን’ዩ ክስከሞ?” ተቛየቖኒ።ኣብ መንጎ ቆይቊ ኣሰላፊት

መጺኣ ነቲ ጣውላ ክትውልውሎ ጀመረት። ‘ከፋንወኩም’ ትብለና ዝነበረት ስለ ዝመሰለና፡ ዓርከይ ሕሳቡ ከፊሉ ተመራሪሕና ንግዳም ወጻእና። ዕላልና (ጽላለና) ድሮ ተረሲዑስ፡ ካልእ ኣርእስቲ (ሰባት ናይ ዘይጽሉል ዝሓስብዎ ዕላል) ተኸፍተ።ግን ካብ’ቲ ናይ ብሓቂ ጥበብን

ናብ ብሓቂ ዓወትን’ሲ መን’ዩ ሰኸም? ነቲ ኰናትል ዝምዘን ጥበብ ክትስከሞ ትኽእል’ዶ? ነቲ ዓወት’ከ? ወይስ ንሳቶም ይስከሙኻ ኣለዉ (ንክስፍስፉኻ’ኸ ትጽበዮም’ዶ ትኸውን)? ማለተይ’ሲ እዚ ወረቐት ድዩ ነዚ ቀለም ተሰኪሙዎ ዘሎስ እዚ ቀለም’ዩ ነዚ ባዶ ዝነበረ ወረቐት ተሰኪሙዎ ዘሎ. . .?

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 3 መበል 25 ዓመት ቁ.267

ሃይለ ዳኒኤል

ኣብ ቀጸላ ኦዞን ዝርከብ ቀዳድ ክጭበጥ ከምዝጀመረ ተመራመርቲ ገሊጾም። እቲ ካብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ

እናገፍሐ ክኸይድ ዝጸንሐ ቀዳድ ቀጸላ ኦዞን፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣርባዕተ ሚልዮን ትርብዒት ኪሎሜተር ከምዝተጨበጠን ብሕጂ’ውን ክቕጽል ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ገሊጾም።ኣብ ምክልኻል ጎዳእቲ ጩራታት ጸሓይ

ቀንዲ ተራ ከምዝጻወት ዝፍለጥ ቀጸላ ኦዞን፡ ብሰንኪ ሰብኣዊን ባህሪያዊን ዝፈጠሮም

ቻይና ካብ ዓለምና ዝቐልጠፈት ምዃና ዝገለጸታ ኮምፒዩተር ከምዝሰርሐት ኣፍሊጣ።እታ ‘ሳንወይ ታይሁላይት’ ተባሂላ

ተሰምያ ዘላ ኮምፒዩተር ምሉእ ብምሉእ ብውሽጣዊ ዓቕምን ቴክኖሎጅን ቻይና ከምዝተሰርሐት እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ብዘይካ’ዚ፡ እታ ኮምፒዩተር ውሽጣዊ

መስርሓ ብምልኡ ብቻይናዊ ንብረት ጥራይ ዝተሰርሐት ከምዝኾነት’ውን ተፈሊጡ።እታ ኣብ ካልኢት፡ 93 ‘ፔታፍሎፕስ’

ኣብ’ታ ዝዓበየት ፕላኔት ጁፒተር፡ ዘይልሙድ ድምጽን ድሙቕ ባና ብርሃንን ከም ዝተራእየ ተመራመርቲ ናሳ ገሊጾም።እቲ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ናይታ

ፕላኔት ዝተኸስተ ተርእዮ፡ ልክዕ ከም ዘራጊቶ ዝኾልል ባና ዘለዎ ከም ዝኾነ እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ሓቢሮም።እቲ ኣብ ፕላኔት ጁፒተር ዝተራእየ

ኣውሮራ፡ ሓያል ጸርጊ ከም ዘለዎን

ብዘይ ዝኾነ ጸዓት ብስልኪ ኣልቦ ሞባይል ቻርጅ ክገብር ዝኽእል ጃኬት ተማሂዙ።እቲ ጃኬት ከም ካልእ ብሓጻቢት

ማሽን ክሕጸብ ከምዝኽእልን ዝኾነ ናይ ምብልሻው ይኹን ካልእ ጸገማት ከምዘየምጽእን ነቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ምምሃዝ ልዑል ግደ ዝተጻወተ ሳንጋቪ ዝተባህለ መንእሰይ ሓቢሩ። ነቲ ሓሳብ ዘመንጨወን ኣብ ግብሪ

ንኽትውዕል ድማ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበረን፡ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ምህዞ ኣብ መጻኢ ዓቢ ዓወት ከምዝዀነ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ ጃኬት ሓንሳብ ምስ መልአ ንሓንቲ

ሞባይል፡ ክልተ ምዕቡላት ስዓት (smart watch)፡ ኣርባዕተ ብሉቱዝ ኢርፎንን ቻርጅ ክገብር ከምዝኽእል ሳንጋቪ ገሊጹ።ኣብ ውሽጢ እቲ ጃኬት ክንዲ

ፖርቶፎልዮ እትኸውን ባተሪ፡ ንሞባይል ቻርጅ መግበሪ ዝኸውን ጁባን ኣብ ኳሌታ ድማ ንብሉቱዝ ኢርፎን ቻርጅ መግበሪ መልጎም ከም ዘለዎ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ ባተሪ ናቱ ፍሉይ ቻርጀር ከም

ዘለዎን ንኽመልእ ድማ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰዓታት ከም ዝወስደሉን ተፈሊጡ።

በከልቲ ጋዛት፡ እናረቐቐን እናተቐደደን ክኸይድ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን፡ ምስ ምጉዳል ካርቦን ዳይኦክሳይድን ካልኦት ጎዳእቲ ባእታታትን፡ ነብሰ ምሕዋይ ከርኢ ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሮም።እቶም ተመራመርቲ ከም ዝገለጹዎ ኣብ

ምሕዋይ ወይ ምጽባብ ቀዳድ ቀጸላ ኦዞን፡ ቀንዲ ሓገዝ ዝገበረ ተፈጥሮ ባዕሉ ምዃኑ ጠቒሶም፡ እዚ ድማ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ መሬት ዝነትጉ ዝነበሩ እሳተ ጎመራታት ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ዝወሓደ ሳልፈር-ዳይኦክሳይድ ስለዝነበሮም

ቀዳድ ቀጸላ ኦዞን ይጸብብከምዝኾነ ወሲኾም ኣረዲኦም። ቀጸላ ኦዞን፡ ብሰንኪ ካብ መሬት

ዝትፍኡ በከልቲ ጋዛት እናረቐቐን ቀዳዳት እናፈጠረን ክመጽእ ብምጽንሑ ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ሂወታዊያን በቶም ካብ ጸሓይ ዝመጹ ‘ኣልትራ ቫዮለት’ ዝተባህሉ ጎዳእቲ ጩራታት ግዳይ ክዀኑ ምጽንሖም’ዩ ዝግለጽ። ብፍላይ ሰባት ብሰንኪ’ቲ ጎዳኢ ጩራ ግዳይ ሕማም መንሽሮ ከምዝኸውን ይንገር። ኣብ ሽዱሽተ ክፍላተ ዓለማት ዝርከባ

ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ከተማታት ዓለምና ቀንዲ ጠንቂ ብከላ ኣየርን ምቕዳድ ቀጸላ ኦዞንን ምዃነን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ በከልቲ ጋዛት ኣጒዲልካ ንዓለማዊ ዋዒ ንምግታእ ቀጻሊ ስምምዓት’ኳ እንተገበራ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ግብራዊ ስጒምቲ ብዘይምውሳደን ብማሕበረሰብ ዓለም ወቐሳ ክወርደን ምጽንሑ ይፍለጥ። ከም ዝፍለጥ፡ ብሰንኪ ብከላ ኣየር ዓመታዊ

ኣስታት 6.5 ሚልዮን ሰባት ሂወቶም ከም ዝስእኑን ብዙሓት ካልኦት’ውን ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ጸገማት ከም ዘማዕብሉን ጸብጻባት ይገልጽ።

ወይ ድማ ‘ኳድሪሊዮን’ ቅማረታት ከተካይድ ከምትኽእል ዝተገልጸት ቅልጥፍቲ ኮምፒዩተር፡ ኣብ ምህንድስና፡ ትምበያ ኩነታት ኣየርን ስነፍልጠታዊ መጽናዕትታትን ልዑል ኣስተዋጽኦ ክህልዋ ትጽቢት ከምዝግበር ሰራሕታ ኣፍሊጦም። ኣብ ምፍራይ ኣዝዩ ዝተራቐቐ

ቴክኖሎጂ ቅልጡፍ ምዕባለ ተርኢ ዘላ ቻይና፡ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ምስራሕ ቅልጡፋት ኮምፒዩተራት (Super computers) ላዕለዋይ ኢድ ሒዛ ምህላዋ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቻይና ዝቐልጠፈት ኮምፕዩተር ትሰርሕ

ኣብ ጁፒተር ድሙቕ ባናን ዘይልሙድ ድምጽን ተሰሚዑ

ብሶላራዊ ንፋስ ከም ዝፍጠርን’ውን ተመራመርቲ ናሳ ወሲኾም ሓቢሮም። እዚ ብኣውሮራ ዝፍለጥ ኣብ

ሰሜናዊ ዋልታ ፕላኔታት ዝርአይ ተርእዮ ፍልይ ዘብሎ፡ ኣብ ፕላኔት መሬት ብማዕበል ሶላር ዝፍጠር ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ፕላኔት ጁፒተር ግን ብምስሕሓብ ዝነሃሩ ንጣራትን ማዕበል ሶላርን ከም ዝፍጠር’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ፍርያት ጥሪ 2017 ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ከምዝዝርጋሕ መሃዚ ናይቲ ጃኬት ሳንጋቪ ሓቢሩ።ንኣዕጽምቲ ጠፈርተኛታት ዝሕግዝ ናይ

ጠፈር ክዳን ማዕቢሉተመራመርቲ ዓንዲ ሕቖ ጠፈርተኛታት

ካብ ምስፋሕ ዝከላኸል ረቂቕ ናይ ጠፈር ክዳን ከምዘማዕበሉ ገሊጾም። እቲ ከም ታይት ምስ ቆርበት ዝለግብ

ረቂቕን ፎኲስን ክዳን ብምኩራት ሳርቶታት ብኣዝዩ ውሕሉል ኣገባብ ካብ ላስቲክ ነገራት ዝተሰርሐ ኰይኑ፡ ጠፈርተኛታት መሊሶሞ ናብ ጠፈር ኣብ ዝኸድሉ እዋን ንኣካላቶም ከም ስሕበት መሬት ኰይኑ ስለዘገልግሎም ከጋጥሞም ካብ ዝኽእል ቃንዛን ጸገምን ናይ ኣዕጽምቲ ከምዝከላኸለሎም እቶም ክኢላታት ሓቢሮም። ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ተመራመርቲ፡

ስሕበት መሬት ኣዕጽምቲ ናይ ምጭባጥ ሓይሊ ኣለዎ፡፣ ስሕበት መሬት ኣብ ዘይብሉ ግዜ ግና ዓንዲ ሕቖ ጠፈርተኛታት ብኣስታት 7 ሰንቲ ሜትር ከምዝንፋሕ ይገብሮ’ሞ ኣብ ጭዋዳታትን መትንታትን ቃንዛ ከምዝፈጥር’ዮም ዝገልጹ። ነዚ ንጠፈርተኛታት ኣብ ጠፈር

ንዘጋጥሞም ጸገምን ቃንዛ ፍታሕ ንምምጻእ ከኣ ተመራመርቲ ንፈተነ ኣብ

ጠፈር ብጽቡቕ ከገልግል ዝኽእል ክዳን ኣብ ምምዕባል’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ኣብ ጠፈር ማለት ስሕበት መሬት ኣብ

ዘይብሉ ግዜ፡ ኣዕጽምቲን ጭዋዳታትን ጠፈርተኛታት ክብደት ስለዘይረክብ፡ ውሑድ ስራሕ ክዓምምን ቀልጢፉ ክደክምን ከምዝርአ’ዩ ዝግለጽ። እዚን ካልእን ድማ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ነቶም ጠፈርተኛታት ናብ መሬት ምስ ተመልሱ ጥዕናዊ ጸገም ከምዝፈጥረሎም ይሕበር። ከምዚ ዓይነት ክዳን ምምዕባል፡ ነቲ ኣብ

ከም ፕላኔት ማርስ ንዝካየድ ጉዕዞ ከጋጥም ንዝኽእል ብድሆታት ከይተረፈ ፍታሕ ዘምጽእ ከምዝኸውን እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ። "ጠፈርተኛታት ኣብ ፕላኔት ማርስ

እንተድኣ ከይዶም፡ ብሰንኪ ስሕበት መሬት ዘይምህላዉ፡ ዝተነፍሐ ዘይኰነስ ዝተሰብረ ምሕኲልቲ ሒዞም’ዮም ናብ መሬት ክምለሱና” ብምባል ኣገዳስነት ናይቲ ክዳን ንሂወት ጠፈርተኛታት መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ምዃኑ ሓደ ካብ ኣማዕበልቲ ገሊጹ።ኣባል መደበር ጠፈር ኤውሮጳ ኣንድረስ

ሞገንሰን ኣብቲ ኣብ 2015 ዝካየድ ናይ ጠፈር ተልእኾ ነቲ ክዳን ንፈለማ ክኽደኖ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሞባይል ቻርጅ ክገብር ዝኽእል ክዳውንቲ…

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 4 መበል 25 ዓመት ቁ.267

ኣቡቐለም (Squid) ኣብ ርእሶም ሸሞንተ መሓውራትን ክልተ ነዋሕቲ መረምሰሶን (tentacles) ዝውኑኑ ሸላሕቲ ልምሉማት ፍጥረታት ባሕሪ’ዮም። ኣብ ግዜ ሓደጋ ካብ ጸላእቶም ንምክልኻል ጸሊም ቀለም ናብ ግዳም ዘውጽኡ ብምዃኖም ብቛንቋ ትግርኛ ‘ኣቡቐለም’ ዝብል መጸውዒ ኣለዎም። ዝቐረቡ ኣዝማድ ኣቡቐለም ኦክተፐስን ሰፕያን ኮይኖም ኩሎም ኣብ ስድራቤት “ሰፈላፖድስ’’ ይምደቡ። እዚ መስመይ ካብ ክልተ ናይ ግሪኽ ቃላት ዝተወስደ ኮይኑ፡ ‘ሰፈላ’ ርእሲ ክኸውን እንከሎ ‘ፖድስ’ ድማ ኣእጋር ማለት’ዩ። እዚ ከኣ ኣእጋሮም ኣብ ርእሶም ንምባል’ዩ።ምናልባት ብኣተሓሳስባን ተመክሮን

መብዛሕቲኦም ደቂ ሰባት ርእሲ እንስሳታት ከም ዉሁብ ኣዒንቲ፡ ኣእዛን፡ ኣፍንጫ፡ ኣፍን ወዘተ ዝሕዝ ክፍሊ ኣካል ጌርካ ክውሰድ ይከኣል ይኸውን። እንተኾነ ርእሲ በዓል ኣቡቐለም እንተላይ ኣእጋር ዝሓቁፍ ኣካል ምዃኑ ክንርዳእ የኽእለና። ዛጊት ኣብ ማያት ዓለም ኣስታት 304 ዝኾኑ ዓሌታት ኣቡቐለም ተለልዮም ኣለዉ። ናይ ገለ ዓሌታት ኣሰረ-ህይወት’ዞም እንስሳ ከም ዝሕብርዎ ካብ ቅድሚ 555 ሚልዮን ዓመታት ኣትሒዞም ክነብሩ ከም ዝጀመሩ ተመራመርቲ ፍልቀት ይሕብሩ። እቶም ዝነኣሱ ኣቡቐለም ‘ሰፕዮሊድ’

ዝተባህሉ ኮይኖም ቁመቶም ክሳዕ 2 ሴ.ሜ ክብደቶም ድማ 7 ግራም ክምዘኑ እንከለዉ እቶም ዝገዘፉ ኣቡቐለም ከኣ ‘ጀያንት ስኰድ’ ዝተባህሉ ክሳብ 18 ሜ ቁመትን 900 ኪ.ግ ዝበጽሕ ክብደትን ኣለዎም። እቲ ብጭቡጥ ዝተመዝገበ ኣቡቐለም ‘ኮሎሳል ስኰድ’ ዝተባህለ ዓሌት ኣብ ለካቲት 2007 ምስ ናይ ኒውዝላንድ ገፋፊት ዓሳ መርከብ ዝተታሕዘ ኮይኑ፡ 495 ኪ.ግ ክብደትን ኣስታት 10 ሜ. ንውሓትን ከም እተዓቀነ ይንገር። እዞም ዓሌታት ካብ ብምልኦም ዘይዓጻማት ፍጡራት ዝገዘፉ ምዃኖም ይፍለጡ። ዓርሞሽሽ ኣቡቐለም ኣብቲ ዘይምቹእ መዓሙቕ ባሕሪ ዝነብሩ ብምዃኖም፡ ተመራመርቲ ስነ-ሂወት ባሕሪ ብዛዕባ

እዞም ፍጡራት ድሩት ኣፍልጦ ከም ዘለዎም ይዛረቡ። ዛጊት ካብ ኩሎም ፍጥረታት ዝገዘፉ

ኣዒንቲ ማለት ክሳብ 25 ሴ.ሜ ሰንጣቒት (ዳርጋ ክንዲ ኩዑሶ ሰክዐት) ከም ዝውንኑ ሊቃውንቲ ባሕሪ ይሕብሩ። ኣብ ውሽጢ እዘን ኣዒንቲ ተረርቲ መነጽር (lens) ልክዕ ከም ናይ ካሜራን ቴለስኮፕን ቦታ እናቐያየራ ንተራኣይነት የነጽራ። እዞም ዓርሞሽሻት ፍጡራት ባሕሪ ኣብ ብርሃን ዘይብሎም ዓሞቕቲ ባሕሪ ዝነብሩ ብምዃኖም፡ ዝኾነ ፍጡር ክርእዮ ዘይክእል በተን ገዘፍቲ ኣዒንቶም ብቐሊሉ ነገራት ክርእዩ ይኽእሉ። ብተወሳኺ እዞም ፍጡራት ኣብቲ ደልሃመት ዓሞቕቲ ባሕሪ ከም መብራህቲ ንኽውልዑ ዝሕግዞም ኣብ ውሽጢ ነብሶም ‘ባዮለሚኖስ’ ዝበሃል ባእታ ኣለዎም። ንዝረኣይዎም ግዳያት በተን ክልተ

ነዋሕቲ መረምሰሶም ጠሚሮም ብምሓዝ ናብ ከባቢ ኣፎም ዝርከብ መትኮብ ዝመስል ተሪር ኣካሎም ስሒቦም ወጊኦም ብምቕታል ይምገብዎም። እቲ ኣብ ከባቢ ኣፎም ዝርከብ መትኮብ ዝመስል ተሪር ኣካል ካብ ‘ካይቶንን’ ዝተጠናነገ ፕሮቲን ዝተሰርሐ ኮይኑ ንመቕተልን መምተሪን ግዳያቱ ይጠቕሞ። ብሃደንቶም ተቐቲሎም ምስ ዝብልዑ ኣብ ከስዐ ሃደንቶም ከይሓቐቐ ክጸንሕ ዝኽእል ብምዃኑ፡ ብልክዕ ሃደንቲ’ዞም ፍጡራት ክልለዩ

ይከኣል። ንኣብነት ‘ተሪር መትኮብ’ ናይቶም ገዘፍቲ ኣቡቐለም ኣብ ከስዐ ናይ ‘ስፐርም ዓሳ-ነባሪ’ ብተደጋጋሚ

ዝርከብ ብምዃኑ፡ ቀንዲ ግዳያት’ዚ ፍጡር ከም ዝኾኑ ክፍለጥ ይከኣል። ዝበዝሐ እዋናት እቶም ንኣሽቱን

ማእከሎትን ኣቡቐለም ዝተፈላለዩ ዓሳታት፡ ጋንበሪን ከምኣቶም ኣቡቐለምን ክምገቡ እንከለዉ እቶም ገዘፍቲ ድማ ዓበይቲ ፍጡራት ባሕሪ እንተላይ ንኣሽቱ ዓሳ-ነባሪ ሃዲኖም ከም ዝምገቡ ይፍለጥ። በኣንጻሩ እዞም ኣንስሳታት ግዳያት ናይ ዝተፈለለዩ ፍጡራት ባሕሪ ከም ዝኾኑ ይንገረሎም። እቶም ንኣሽቱ ኣቡቐለም መግቢ ናይ በዓል ጎብየ ባሕሪ፡ ሰፕያ፡ ኦክተፐስን ካልኦት ዓበይቲ ዓሳታት ክኾኑ እንከለዉ እቶም ኣዝዮም ገዘፍቲ ኣቡቐለም ግና እንኮ ‘ስፐርም ዓሳ-ነባሪ’ ጥራይ ሃዲኑ ከም ዝምገቦም ይፍለጥ። እንተኾነ ካብ ጸላእቶም ንምክልኻል ልክዕ ከም

በዓል ኦክተፐስን ሰፕያን ካብ ኣካሎም ድሙቕ ቡናዊ ግዳማዊ ዒግታ ከም ቡምባ ትኪ ናብ ኣከባቢኦም ብምብታን፡ ንተራኣይነት’ቲ ከባቢ ከምዝጎድል ብምግባር፡ ንጸላኢኦም ኣደናጊሮም ክሃድሙ ይኽእሉ። ፓላንቺና ዝመስል ልስልስ ዝበለ

ኣካል፡ ገዘፍቲ ኣዒንቲ፡ ሰማያዊ ደም፡

ሰለስተ ልቢ ከምኡ’ውን ኣዝዩ ምዕቡል ሓንጎል ዘለዎም በላሕቲ ፍጡራት ባሕሪ’ዮም። ከምቲ ሓጺን ዘለዎ ፕሮቲን ንደም ናይ መብዛሕቲኦም እንስሳታት ቀይሕ ሕብሪ ንኽህልዎ ዝገብር፡ ከምኡ ድማ ኮፐር ዘለዎ ፕሮቲን ንናይ በዓል ኣቡቐለም ደም ሰማያዊ ሕብሪ ንኽህልዎም ይገብር። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ቆራሪን ትሑት ኦክስጅን ዘለዎ ኣከባቢ(መዓሙቕ ባሕሪ)፡ ኮፐር ዘለዎ ፕሮቲን ኣብ ስርዓተ ዙረት ደም እዞም ፍጡራት ኦክስጅን ናብ መላእ

ኣካላት ብኣድማዕነት ከጓዓዕዝ ዝኽእል ብምዃኑ’ዩ። ኣቡቐለም ካብ ኩሎም ዘይዓጻማት

ፍጡራት ዝቐልጠፉ ሓንበስቲን ካብ

ባሕሪ ወጽዮም ንሓጺር ርሕቀት ክነፍሩን ዝኽእሉ ድንቂ ፍጥረታት ባሕሪ’ዮም። ናብ ውሽጢ ነብሶም ማይ ባሕሪ እናእተዉን እናውጽኡን፡ ካብን ናብን ብቕጽበት ይንቀሳቐሱ። ሽሕ’ኳ ከምቶም ካልኦት ኣዝማዶም ብኽልቲኡ ጎድኖም ሓጸርቲ ኣኽናፍ እንተ ሃለዎም፡ ኣብ ምንቅስቓስ ግና ትሑት ኣበርክቶ’ዩ ዘለዎም።ኣብ ቆርበት’ዞም እንስሳ ብቕጽበት

ሕብሪ ንኽቐያይሩ ዘኽእልዎም ‘ክሮማቶፖርስ’ ዝተባህሉ ዋህዮታት ኣለዎም። ኣብቲ ዘለውዎ ቦታ ነቲ ከባቢ ብሕብሪ ብምምሳል ካብ ጸላእቶም ንምክልኻልን ንግዳያቶም ንምጥቃዕን ድማ ይሕግዞም።መብዛሕቲኡ እዋናት ኣብ ጭቃ፡

ዕንበባታት ባሕሪን ሑጻን ዝበዝሖ መሬት ወይ ማእከላይ ክፋል ቀጸላ ባሕሪ፡ ማእከላይ ቀረባን ዝዕምቆቶም ትሮፒካዊን ማእከላይ ሙቐት ቦታታት ይነብሩ። ገዘፍቲ ኣቡቐለም ኣብ ኣዝዩ ዓሞቕቲ ውቅያኖሳትን ባሕሪን ማለት ክሳብ 1800 ሜ. ዝበጽሕ ዕምቆት ክነብሩ ከም ዝኽእሉ መዛግብቲ ይሕብሩ።ኣንስተይቲ ኣቡቐለም እንቋቚሖ

ዘፍሪ ማህደር እንቋቚሖ፡ ተባዕታይ ድማ ዘርኢ ዘፍሪ ፍረ-ነብሲ ኣለዎም። ስርዓተ መፍረ ኣቡቐለም ኣብቶም ንኣሽቱን ገዘፍትን ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ ኩሎም ብእንቋቚሖ’ዮም ዝፋረዩ። ተባዕታይን ኣንስተይቲን ርክብ ድሕሪ ምፍጻሞም እታ ኣንስተይቲ ዘርኢ

ኣቡቐለም

መኮነን ሺሻይ

ካብ ኩሎም ዘይዓጻማት ፍጡራት ዝገዘፈ ኣቡቐለም

ዝተኸሸነ ኣቡቐለም

ካብ ባሕሪ ወጽዮም ዝነፍሩ ኣቡቐለም

ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ ዓሌታት ኣቡቐለም

ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዝዳሎ ዓምዲ

ተባዕታይ ዝተሓወሶ እንቋቚሖ ናብ ግዳም ክዕቆበሉ ይኽእሉ’ዮም ዝበለቶም ቦታታት ከም ጻህያይ ባሕሪ፡ ሳዕሪ ባሕሪ፡ ዕንበባታት ባሕርን ካልኦትን ብምጽጋዕ ከም መጠን ዓቐን ነብሰን ብዝሒ እንቋቚሖ ክጸፍያ ይኽእላ። ግዜ ምንቋሕ ምስ ሙቐት ናይ ማይ ዝፈላለ ብምዃኑ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል።ኣቡቐለም ብደረጃ ዓለም ካብቶም

ኣዝዮም ልዑል ዋጋ ዘለዎም ጸጋታት ባሕሪ ከም በዓል ጋንበሪ፡ ሎብስተር፡ ክራብን ካልኦትን እዩ። ዓመታዊ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ክልተ ሚልዮን ቶን ከም ዝግፈፉን ኣብዚ ግዜ’ዚ ልዕሊ ዓቐን ተመዝሚዞም ምህላዎምን ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO) ኣብ ናይ 2012 ጸብጻባቱ ኣስፊርዎ ይርከብ።እንተኾነ ብሓፈሻ ክረኣ እንከሎ፡

ብዘርእይዎ ቅልጡፍ ዕቤትን ልዑል ናይ ምፍራይ ዓቕሞምን፡ ብዕቃበ ምስቶም ብዙሕ ዘየሰክፉ ጸጋታት ባሕሪ ተዘርዚሮም ይርከቡ። ኣቡቐለም ብሓፈሻ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ በዓል ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ግብጺ፡ ጥልያን፡ ስጳኛ፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ እንግሊዝ፡ ኮርያ፡ ቱርኪ፡ ቬትናም፡ ፖርቱጋል፡ ቱኒዝያን ግሪኽን ካብቶም ኣዝዮም ዝበሃጉ ዓይነታት መግቢ እዮም። ኣቡቐለም ብዘይካ ኣብ ከባቢ ኣፎም ዝርከብ መትኮቢ ዝመስል ተሪር ኣካሎም ኩሉ ክፋላት ኣካሎም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ተኸሺኖም ክብልዑ ይኽእሉ። ቀንዲ ምንጪ ዝተፈላለዩ መኣዛታት ከም ፕሮቲን፡ ቫይታሚን B12፡ ዚንክ፡ ማንጋነዝ፡ ኮፐርን ምዃኖም ተመራመርቲ ስነ-መግቢ ይሕብሩ። ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ክፋላት ገማግም

ባሕሪ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ከባቢታት መርሳ (Bays) ኣንፊለ፡ በርዓሶለን በይሉልን ብጸጋታት ኣቡቐለም ኣዝዮም ሃብታማት ምዃኖም ይፍለጥ። ኣብ መራኽብ ንግዳውያን ገፈፍቲ ዓሳ ግብጺ፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ቦታታት ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳዕ ግንቦትን ብፍላይ መርሳ በርዓሶለን ከባቢ ሂርምልን ብብዝሒ ከም ዝግፈፉ ሰነዳት ይሕብር። ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዛጊት ዝተፈላለዩ ዓሌታት ኣቡቐለም እኳ እንተለዉ፡ ብልክዕ ክንደይ ዓይነት ዓሌታት ከም ዘለዉ ምፍላጥ ጌና ዓቢ ዕማም ምርምር ሃብቲ ባሕሪ እዩ።

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 5 መበል 25 ዓመት ቁ.267

ሩፍታ

ኣስሒት ዝመስሉ ዝተደራረቡ ኣስናን፡ ርጉድ ዝበለ ቀጸላ ዘለዎ ከናፍርን’ያ ትውንን። ጽልሚ ዝሕላገቱ ሕብሪ ገጽ፡ ንኣዒንቲ ናይ ምምራኽ ትዕድልቲ ዝወነኑ’ዮም። ማእከላይ ቁመት ዘለዋ ጎርዞ ድማ’ያ።ድፍዱፍ ነብሳ ካብ ምሒር ምግዛፉ፡

ስለ ዝኸብዳ’ያ መስለኒ ገፈፍ ክትብል’የ ዝርእያ። ንዝተዓደላ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ብክሬማት ናይ ምንጽብራቕ ልምዲ ዝረኣያ፡ ኳዕናንን ተባሃጊትን መንእሰይ እያ። ሓሊፉ ዝተርፍ ዋዒ ዝተዓደለት፡ ኣብ መንገዳ ቀልባዕባዕ እናበለት ናይ ምኻድ ኣመል ዝነበራ መንእሰይ’ያ ሳሮን።ብተደጋጋሚ ድሕሪ ሰዓት ትሽዓተ

ናይ ምሸት ካብ ገዛኣ፡ ናብ ከተማ ገጻ ክትምርሽ’የ ዝርእያ። ፈለማ ከም ተራ ሰብ ዝግደሰላ’ኳ እንተዘይነበረኩ፡ ቀጻሊ ምስ ኰነኒ ግና ነገራታ የተሓሳስበኒ’ዩ ዝነበረ። ሰብ ናብ ገዛኡ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን፡ ንሳ ናብ ግዳም ዘውጽኣ ምኽንያት ንምግማቱ ዓቐብ’ዩ ኰይኑኒ ዝነበረ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ

ዝኸይድ ዝነበረ ሰንኰፍ ኣካይዳኣ ስክፍታ ዝፈጥር ነበረ። ካብ ዓይኒ ህዝቢ’ውን ዝፍለ ኣይነበረን። እዚ ከይኰነ ኣይተርፍን ድማ ኩነታታ ንከጣልል ዘበገሰኒ።ክከታተላ ድሕሪ ምቕናየይ ከም

ዘይረኣኽዋ ኰይነ ህሩግ በልክዋ። ጎፍ ምስ በልክዋ፡ ከም ብርኒሂጎ በሪራ ክትዕዘር ዝተረፋ ኣይነበረን። ስንባደ ክሳብ ትነጥር’ዩ ገይርዋ። ድሕሪ ንቡር ሰላምታ ምልውዋጥና ድማ ኮፍ ኢልና ንኸነዕልል ዓደምክዋ። ብኣኣ ዝመጸኒ ኣሉታዊ መልሲ ብዘይ ምንባሩ ከኣ፡ ኣብ ፊትና ዝነበረት ካፈ ኣተና። ቊሩብ ድሕሪ ምዕላልና ድማ ብቘጸራ ተፈላለና። ***ድሕሪ ሰሙን ብመሰረት

ቈጸራና ኣብ ከረን ሆቴል ተራኸብና። ሕልፊ’ቲ ቀዳማይ ርክብና ድማ ተዀሊዓን ተፈሻሺላን መጸትኒ። ከረን ሆቴል ዘይከም ቀደሙ፡ ንዓና ዕድል ክህብ ክመስል ብጽምዋ’ዩ ተጐቢኡ ጸኒሑና። ኣሳሰይቲ’ውን በቲ ዝነበረ ጽምዋ ዝተጸልዋ ክመስላ ጸጸግዐን ሒዘን የዕልላ ነበራ።‘‘ተገዳስነትካ ኣመና ገሪሙኒ። ፈለማ’ኳ

ሓቂ ይሓይሽ እሓምየካ ነይረ’የ።” ሳሮን’ያ እናኽመስመሰት ዘረባ ዝጀመረት። ‘‘እንታይ እናበልኪ ጓለይ?’’ ተገሪመ

ብምንባረይ ንመልሳ ተጸናተኹ።‘‘ዝንገር ኣይኰነን። ማለተይሲ መጥመሪ

ዘለዎ ከይመስለካ ዓጀውጀው’ዩ።’’ ክትዛረቦ ዝሓሰበት ዘረባ ግዲ ኣሕፊርዋ ድንን ክትብል ተቐሰበት።‘‘ንገርኒ ደኣ?’’ ከተፍእመለይ

ተላበኽዋ። ዝጀመረቶ ዘረባ ኣብ መንጎ ከይትቘርጾ ስክፍታ ነበረኒ።‘‘ክትከታተለኒ ከለኻ የቕልበልካ

ብምንባረይ፡ ገለዶ ክሓተኒ ደልዩ፡ ዋላስ

መጋፍፍቲ ኣንሶላይ ክኸውን’ዩ ደልዩ እናበኩ’የ ዝሓምየካ ነይረ።’’ ንጹር መልሳ ኣብ ኣእዛነይ ክዓርፍ ኣይደንጎየን።‘‘ብዝዀነ ናብቲ ቐንዲ ዘምጽኣና ጉዳይ

ንእቶ!’’ ምሕጽንታኣ ኣመሓላለፈት።‘‘ከምቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሓበርኩኻ

ሳሮን’የ ዝበሃል። ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ 1985 ተወሊደ።’’ ናብ ጽውያኣ ኣተወት። ‘‘ከም ኩሉ ቈልዓ ምስ ጐበዝኩ

ትምህርተይ‘ኳ እንተጀመርኩ ክሳብ ሃይ ስኩል ከምቲ ዝድለ ንፍዕቲ ኣይነበርኩን። እኳ ደኣ ዕላልን ጸወታን ዝፈቱ ውዕይቲ’የ ነይረ።’’ ታሪኻ ፈለመቶ።‘‘ሕራይ ሳሮን ቀጽሊ?’’ ንዝሰፈሐ

ዕድል ማዕጾ ኣርሓኹላ።‘‘ብሕጽር ዝበለ፡ ስድራይ ምስቲ

ዝነበረኒ ዋዒ ኣብ ሕማቕ ከይወድቕ ይፈርሑ ብምንባሮም ስኩፋት’ዮም ነይሮም። ሓደ እዋን ገለ ካብቲ ዝነበርክዎ ዋዒ እንተረጋእኩ ኢሎም ከመርዕውኒ ተበጊሶም። ኣነ ድማ ኣይምርዖን’የ ኢለ ኣሻፈረይ እብለልካ።’’ ሓሳባት ንምውህላል ከተንቃዕርር ተራእየት።‘‘ስድራኺኸ እንታይ በሉ?’’ ናብ

ስድራኣ ሰገርኩ።‘‘እንታይ ትብል ኣለኻ። ኣይምርዖን’የ

እንተበልክዎም ግድን ትምርዓዊ ይብሉኒ።’’ ገጻ ተሸምረረ። ገለ ሓድሽ ዛንታ ዝፈጥር’ዩ ዝመስል።‘‘ምስማዕ ምስ ኣበዩኒ ድማ ካብ ገዛና

ሃዲመ ናብ እንዳ ኣሞይ እዕቈበልካ።’’ ዘረባ በቲኻ ተዓዘመት። ‘‘እንተ ኣሞይ ካብ ስድራይ ዝገደደት፡

ተመዓዊ እምበር ሓዳር እንድዩ መኽበሪ ትብለኒ። ኣነ ድማ ካብ ገዛና እንተሓሸኒ ኢለ ከምዘይመጻእኩ፡ ነገር ኣሞይ ኰር ተገልበጥ ምስ ኰነኒ ናብ ገዛና

ተመሊሰ እብለካ።’’ ኣብ ዝተቐመጠቶ

ኣዕጠጠየት።‘‘እንታይ’ዩ

ግና ንሓዳር ዘእብየኪ ምኽንያት?’’

ብፈታሺ ኣዒንቲ እናጠመትኩ ሓተትኩ።‘‘ዓወት ዝበሃል ዝፈትዎ ዓርኪ ስለ

ዝነበረኒ ኣመና ንፋቶ ስለ ዝነበርና ከኣ፡ ንዕኡ ገዲፈ ክምርዖ ጥልመት ኰይኑ ተሰሚዑኒ። በዚ’የ ከኣ መእበይየይ።’’ ከም ፍዝዝ በለት።‘‘ስድራኺ ዓርኪ ከም ዝነበረኪ

ይፈልጡዶ ነይሮም?’’ ተወከስኩ ንዛንታኣ መሀብተሚ ክዀነኒ።‘‘ፈለማ ይፈልጡ ኣይነበሩን። ድሓር

ግና ዝሰዓበ ይስዓብ ኢለ ነጊረዮም።’’ ገጻ ጠውያ ኣስቀጠት።‘‘እንታይ ደኣ በሉ?’’ ንዝስዕብ መልሲ

ቅድሚ ምስመዐይ ተነንየ ጠመትኩ።‘‘ምስ ነገርክዎም ክዛረቡ ከም ዘይጸንሑ

ህጥም ኢሎም። ድሕሪ ክንደይ ግና፡ እሞ ክምርዓወኪ ዝኽእል እንተ ደኣ ኰይኑ ኣላልይና’ሞ ከነመርዕወኪ ይብሉኒ። በቃ መርዓ’ያ ነይራ ትምኒቶም።’’ ስለ ዝተራእያ ክትትክዝ ረኣኽዋ።‘‘ኣላሊኽዮምዶ እሞ?’’ ተሃዊኸ

ሕቶይ ሰንደኹ።‘‘ላላእ!’’ ብስምዒት ኣድመጸት።

‘‘ንዓወት ምስ ነገርክዎ ኣይተቐበሎን፡ ማለተይ ባህ ኣይበሎን። ብፍላይ ናይ መርዓ ጉዳይ ልክዕ ከምዛ መርዘን ርእሱ’ያ ኣሕሚማቶ። ሕሉፍ ሓሊፉ እንታይ ኢሉኒ መስለካ . . . ’’ ዘረባ ኣቋሪጻ ሰሓቐት።‘‘ሃየ!’’ ሃንደበት ብምስሓቓ ገሪሙኒ

ብምንባሩ ብተመስጦ ሰዓብክዋ።‘‘. . .ተመርዓዊ’ሞ ድሓር ትፈትሕዮ፡

ሽዑ በቲ ዝህበኪ ምቅሊት ሓዳርና ንምስርት ይብለኒ። ሽዑ ኣይትርኣየኒ ዝሰንበድክዎ።’’ ‘‘እቲ ስድራኺ ዘምጽኡልኪ ወዲ

ሃብታም ድዩ ነይሩ?’’ ዝኣንፈተትለይ ዘረባ ምርኩስ ብምግባር ሕቶይ ሰንደኹ።‘‘እወ!’’ ብስምዒት ገዓረት። ‘‘ኣብ

ስዑድያ እንዳ ሰኣላይን እንዳ ድኳንን ነይርዎ።’’ ርእሳ ኣንቀሳቐሰት። ‘‘ክቕጽለልካ እንዶ ግዳ። ምስ ዓወት

ድሕሪ ምዝርራብና፡ ክንረዳዳእ ስለ ዘይከኣልና፡ ነቲ ስድራ ዘምጽኡለይ ክምርዓዎ ተሰማሚዐ።’’ ኣብ ገጻ ዝንበብ ስምዒት ኣይነበራን።‘‘ስለምንታይ ደኣ?’’ ተገሪመ ነበርኩ።

ተለዋዋጢ ባህርያታ ምስ ዛንታኣ ይቀያየር ነበረ።‘‘ምኽንያቱ ደኣ ካብ ዓወት ተስፋ

ስለዝሰኣንኩ ኣማራጺ ኣይነበረንን።’’ ኣብ ዝነበረቶ ተነዋነወት።‘‘መርዓ’ሞ ከመይ ሓለፈ?’’ ጉዳይ

መርዓኣ ኣጣለለኩ።‘‘የርእየናን የድግመናን’ዩ። ምስ

ተመርዓኹ፡ መቸም ድሕሪ ሕጽኖት በዓል ቤተይ ናብ ስዑድያ ይምልሰልካ። ኣነ ድማ ኣብ ሕጽኖት ድቂ ቋጺረ ነብሰጾር ኰይነ እብለካ።’’ ክምስ በለት።‘‘ጽቡቕ እምበር!’’ ሰናይ ትምኒተይ

ገለጽኩ።‘‘ብድሕሪ’ዚ ሓዳርና ሰብ ዘዛረበን

ጽቡቕን ኰይኑ። ውላድ ድማ ኣኣብ ርእሲ ሰለስተ ወሊድና። ክልተ ኣወዳት ሕሳስ ልደ ከኣ ጓል እዮም።’’ ፍሽኽታ ከይፈለየት’ያ ትጸዊ ዝነበረት። ውሸጣ ሕጉስ ከም ዝነበረ ይሕብር ነበረ። ‘‘ድሕር’ዚ ከኣ’ዩ ጽኑዕ ዝነበረ

ሓዳርና ንፋስ ዝኣተዎ።’’ ካብ ውሽጣ ዝፈልፈለ ካዕቦ እህህታ ፈነወት። ‘‘እሂ እንታይ ወሪድኩም ደኣ?’’

ተገሪመ ሓተትኩ። ኣኣብ ደቒቕ ዝቀያየር ጠባያት ጊር ኢሉኒ ነበረ።‘‘ባዕለይ’የ መምጽኢት ጠንቂ!’’

ኣዕሚቛ ኣስተንፈሰት። ሕሉፍ ታሪኻ ተጻሪሩ ቐንጠዋ።‘‘እብለካ እታ ሳልሰይቲ ጓለይ ድሕሪ

ምውላዳ፡ ሰብኣየይ ናብ ስዑድያ ምስ ተመልሰ’ዩ እቲ ሰበብ ስዒቡ።’’ ገበታ ትንፋስ ፈንያ ኣማዕደወትኒ።‘‘እንታይ ሰበቡ ጓለይ!?’’ ቅድሚ

ዝኣገረ ሸገርገር በልኩ።‘‘ጽናሕ እንዶ ኣይትተሃወኽ።’’

ታህዋኸይ ሰለ ዘይተዋሕጠላ ቀዲማ ገንሓትኒ።‘‘ምስ’ቲ ናይ ቀደም ዓርከይ ዓወት

ወዝቢ ንራኸበልካ። ስሕት ኢልና ድማ እናተቛጸርና ሻሂ ክንሰቲ ጀሚርና።’’ ርእሳ ደጊፋ ዛንታኣ ቆጸየት። ‘‘በዚን ወዲ ከምዝን ተለማሚድና።

ሕሉፍ ሓሊፍና ብሓደ ምሕዳር ከም መዓልታዊ ቐለብና ገይርናዮ።’’ ዘይዓገበትሉ ነገር ከም ዘለዋ ብዘመልክት ስምዒት ፍረ ገጻ ኣሳሰረቶ።‘‘ደቅኺኸ?’’ ንደቃ ረሲዓ ብነብሳ

ጥራይ ምሕሳብ ኣገረሙኒ ነበረ። ‘‘ናቶም እንድዩ ደኣ ዘጣዕሰኒ ዘሎ።

ተጣዒስካ ዘይምለስ ዘይሃስስ በሰላ ገዲፈሎም። ብፍላይ ከኣ ነቶም ክልተ ንኣሽቱ ደቀይ።’’ ንብዓታ ዛራ ማይ ኰይኑ ካብ ኣዒንታ ክፈስስ ኣይደንጎየን። ኣነ’ውን እዚ እናዀነ ተዓዚመን ደሪቐን ነበርኩ።‘‘ሳሮን ኣይድሓንክን ዲኺ?’’

ንዝተረበጸ ልበይ መልሲ እናደለኹ ሕቶይ ኣቕረብኩላ።‘‘እንታይ ክድሕን ኢልካኒ። ምስ’ዚ

ኣብ ልዕሊ ሓዳረይ ዝዘሮ ዝነበርኩ፡እቲ ቦኽሪ ወደይ ከኣ ወዲ 12 ዓመት ስለ ዝነበረ ቅሩብ ይርደኦ ብምንባሩ፡ ናበይ ኢኺ እናበለ ከሸግረኒ ይጅምር። ካብ እዋናት ሓደ መዓልቲ፡ ከባቢ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ቈጸራ ስለ ዝነበረኒ ክወጽእ እደናደነልካ. . .!’’ ምኽኽ በለት። ‘‘ወጋሕታ ንገዛ ምስ ተመለስኩ ድቃስ ይኣብየኒ ስለ ዝነበረ ብኸኒና’የ ዝድቅስ ነይረ።’’ ብሕሉፋ ተነዋነወት። ‘‘ኣብ ከምዚ እዋን ከለኹ ድማ’የ ጉድ ዝሰራሕኩ።’’ ወጅሃ ንእለቱ ተቐየረ። ‘‘እንታይ ጉዱ?’’ ብታህዋኽ

ሰዓብክዋ።‘‘ቈልዑ ምድቃስ ይኣብዩኒ ስለ ዝነበሩ፡

ሓደ ብልሓት ክፈጥር ተገዲደ።’’ ንብዓታ መመሊሱ ዓይኒ ማይ ኰነ።‘‘እሞ’ኸ?’’ መልሳ ከይሰማዕኩ ከለኹ

ከንፈጥፍጥ ጀመርኩ።‘‘ካብ’ቲ ኣነ ዝወስዶ ዝነበርኩ ናይ

ድቃስ ከኒና ምስ ማይ ሓዊሰ የስትዮም’ሞ ምስ ደቀሱለይ ናብ ቈጸራይ ክኸይድ ጀሚረ። ከምዚ እናበልኩ ከየቋረጽኩ ንነዊሕ እዋን ሂበዮም።’’ ኣስናና እናሓራቐመት ኣዕዘምዘመት።‘‘እንታይ ትብሊ ጓለይ?’’ ሃየንታኣ

እሞ ድማ ኣብ ርእሲ ደቃ ኣመና ኣርመመኒ። ‘‘ከምዛ ዝብለካ’ያ። ከምዚ ኢለ

እናቐጸልኩ ከለኹ’ዩ ሓደ መዓልቲ ሰዓት ቈጸራ ስለ ዝኣኸለኒ ከም ኣመለይ ነታ ንእሽቶይ ጓለይ ምድቃስ ምስ ኣበየትኒ ከኒና ሂበ የደቅሳ’ሞ ናብ’ቲ ማሕድሮይ እወፍር። ሽዑ. . .’’ እናዕዘምዘመት ናብ ትዝታ ገሸት።‘‘ቀጽሊ’ባ?’’ ትም ምባላ ስለ

ዘይተዋሕጠለይ ኣተኵረ ጠመትክዋ።‘‘ኣነ ድሕሪ ካብ ገዛ ምውጸአይ

ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ጓለይ ትሓምም።

እቲ ቦኽሪ ወደይ ስለ ዝተረበሸ ቴሌፎን ናብ ሓዎቦኡ ደዊሉ ኩነታቶም ይነግሮ። ሓዎቦኦም ድማ፡ ንጓለይ ሕክምና፡ ብምውሳድ ንዓይ ኣብ ኣፍደገ ገዛና

ክጽበየኒ ሓዲሩ።’‘‘ኣነ ድማ ከም ኣመለይ ወጋሕታ

ሰዓት ሓሙሽተ ገፈፍ እናበልኩ እንተመጻእኩ ወዮ ሓሙተይ ኣብ ኣፍደገ ጎፍ ይብለኒ።’’ ኣድህቦኣ ናብ ማዕጾ ቐይራ ሃጠመት።‘‘እንታይ ደኣ በለኪ?’’ ተሃንጥየ

ሰዓብክዋ።‘‘ዝገርመካ’ስ ኣነ ከየድሃብክሉ

ዝጸናሕኩ ደድሕረይ ኣብ ዝኣተኸዎ እናተኸታተለ ንመተኣማመኒ ስእል ወሪሑኒ። ካብኡ ተኸሺሒ ግዲ ኢሉኒ ብደገ ንቤት ጸሎት ዝግስግሱ ካብ ዝነበሩ ሰባት ንመሰኻኽር የምጽእ። በዚ ከኣ’ዩ ኩነታተይ ተኸሺሑ።’’ ንብዓታ ከዓወት።‘‘ሰብኣይኪኸ ፈሊጡ’’ ጉዳይ ሰብኣያ

መመሊሱ ኣተሓሳሰበኒ። ጽኑዕ ዝገደፎ ሓዳር፡ ኳና ኰይኑ ምስ ጸንሖ ዝኾኖ ስለ ዝተራእየኒ ከኣ፡ ኣብ ክንድኡ ናብ ሓሳባት ገሽኩ።‘‘ድሕሪ ክንደይ ደኣ ፈሊጡወ!’’

ብዝተዋጃበረ ስምዒት ሓበረትኒ። ‘‘ፈለማ’ኳ ኣይትውዕሎን እያ ኢሉ ምእማን’ዩ ስኢንዎም። እንተዀነ በቶም መሰኻኽርን፡ በተን ስእልን ጉዳየይ ተቓሊዑን ናብ ሰብኣየይ በጺሑን እብለካ።’’ ብጓሂ ኣምሲሉ ዝዓሰላ ስምዒት ኣብ ገጻ ተነበበ። ‘‘ጥዕና ጓልኪኸ?’’ ዝተወጃበረ ዛንታኣ

ንዓቕለይ ከይተረፈ ስለ ዝተፈታተኖ ከዕለብጥ ጀመርኩ። ‘‘ጓለይ ደኣ ጥዕና ኣይረኸበትን!’’ ዝን

በለት። ‘‘ብሰሪ’ቲ ብዝሒ ከኒና ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ኣእምሮኣ ሰሒታ!’’ በለትኒ ምስ ንብዓታ እናተቓለሰት።‘‘ወይ ጉድ!’’ በልኩ ብውሽጠይ።

ዕድል ጓላ ብምቚጻዩ ከኣ ካብ ልቢ ደንገጽኩላ።‘‘ጉዳይ ሓዳርኪኺ?’’ ናብ ሓዳራ

ተመለስኩ።‘‘ሓዳር’ዶ በልካ!’’ ብስምዒት ርእሳ

ነቕነቐት። ‘‘እንታይ ተሪፉና፡ ተፋቲሕና ኢና።’’ ሓጺርን ንጹርን መልሲ ሃበትኒ።‘‘ደቕኺኸ?’’ ዛዛሚ ሕቶይ

ፈንየ ብድንጋጸ ዝመልአ ኣዒንተይ ጠመትክዋ።‘‘እቶም ክልተ ንኣሽቱ ምስ ኣቦኦም

ኣብ ስዑድያ ኣለዉ። እቲ ዓቢ ከኣ ኣብዚ ኣስመራ ኣሎ።’’ በለትኒ ዛንታኣ ብምዝዛም።

ተፈጸመ ብነጋሲ ወልደማሪያም(ገስጋሲ)

ክ/ሰ 39

ጸጋብርሃን ጎይትኦም

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 6 መበል 25 ዓመት ቁ.267

ስነ-ጥበብ

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ልብኻ ምስ በዓቲ መሰናግለኻ ይጋጮ ኣሎ። ኣጻብዕትኻ ረሃጽ ተለኽዮም ኣለዉ። ካልእ ገጽ ናይ መጽሓፍካ ካብ ምግንጻል ድማ ደው ኣይበልካን። እቲ ተጻራሪ ገጸ-ባህሪ፡ ገለ ንኽገብር መጻወድያ ኣዳልዩ ኣሎ። ንስኻ ድማ፡ እቲ እትድግፎ ገጸ-ባህሪ ካብ መጻወድያ ንኽድሕን፡ ገለ ነገር ክፍጠር ወይ ክግበር ኣመና ተሃንጢኻ ኣለኻ። መከላኸሊ ክርከብ ድልየት ናትካ እዩ። ግን ንስኻ ክትገብሮ እትኽእል ነገር የለን። ዋላ ሓንቲ ሓገዝ እትገብረሉ ዕድል የብልካን። ምሕረት ይኹን ጥፍኣት ኣብ ኢድ ጸሓፋይ እዩ። ንዓኻ ዝተዋህበ ዕድል፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ንኽትርኢ ዝቕጽል ገጽ ምግንጻል ጥራይ እዩ። በቃ ምግንጻል ጥራይ! እተንብቦ ዘለኻ መጽሓፍ

ከምኡ ዝበለ ሃንቀውታ እንተ ድኣ ኣሕዲሩልካ፡ ጸሓፊ ዛንታ ጠልጠል ከብለካ ዝኽእል ዓቢ ነገር ገይሩ ኣሎ። ክሳብ መወዳእታ ገጽ ብኸምኡ ዝበለ ስምዒት እንተ ኣንቢብካ ከኣ፡ ጸሓፊ ዛንታ ነቲ ሰለውለው ዘብል ዛንታ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ምዕቃብ ዓቢ ስራሕ ዓሚሙ ኣሎ። ግና እንታይ ስለ ዝገበረ እዩ ህዋሳትካ ተቖጻጺሩ ካብ ንባብ ምፍላይ ክሳብ እትስእን ክገብረካ ዝኸኣለ? ኣብ ፈለማ፡ ደራሲ - መጽሓፉ

ክሳብ መወዳእታ ብህንጡይነት ዝንበብ ምእንቲ ክዀነሉ፡ ኣብ መንጎ “suspense genre” (ዛንታ ምንጥልጣል) ከምኡ’ውን “mystery genre” (ዛንታ ግድል) ዘሎ ፍልልይ ተረዲኡዎ ኣሎ ማለት እዩ። ነዚ ምስ ተረደአ እዩ ከኣ ካብ’ዞም ክልተ ሜላታት ብሓደ ክጽሕፍ ከም ዘለዎ ዝወሰነ። እዞም ክልተ ኣገባባት ደቂ ሓደ ስድራ

እዮም። ኣንባቢ ብህንጡይነት ዛንታ

ንኽከታተል ዝድርኹ ብምዃኖም። ኰይኑ ግን፡ ፈላጣት ናይ’ዚ ዓውዲ፡ ካብ ኣሕዋት ምባሎም፡ ደቂ ሓትኖታት ወይ ሓወቦታት ክበሃሉ ከም ዝምረጽ ይገልጹ። ቀንዲ ፍልልዮም ኣብ ኣንፈት (ትርኢት) ዛንታ ምዃኑ እውን ይነግሩ። ክልተኦም ዓይነት ዛንታታት፡ ግርጭታት ወይ እውን ቅልውላው ብምፍጣር፡ ልቢ ኣንባቢ ኣንጠልጢሎም ዛንታ ከም ዝውዳእ ዝገብሩ እዮም። ኣብ ኣነጋግራ ወይ ኣተሃናንጻ ዛንታ ግን ፍጹም ይፈላለዩ። ጸሓፊ ከኣ ፍልልያቶም ግርም ገይሩ ተገዚቡዎ ኣሎ። እቲ ዛንታ ምስ ገበን ዝተኣሳሰርን

ንቕትለት ዝምልከትን ገይሩ እንተ ድኣ ሃኒጹዎ፡ ነዞም ሜላታት ከይሓዋወሰ፡ ብሓደ ካብ’ዞም ሜላታት ድርሰቱ ዓሚሙ ኣሎ። “mystery” (ግድል) ዝዓይነቱ ኣዘናትዋ እንተ ድኣ መሪጹ፡ እቲ ግዳይ ኣብ ቀዳሞት ምዕራፋት ዛንታ ድሮ ሂወቱ ሓሊፉ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ዛንታ፡ ኣብ ምፍታሕ ናይ’ቲ ግድል ዝስዕብ ሕልኽላኽ ሕቶታት፡ ኣመታት፡ ስዉር ምስጢራት. . . ይምስረት። መርማሪ - ደቀቕቲ ኣመታት እናረኣየ ናብ’ቲ ቀንዲ ሓቂ ዝወስድ መንገዲ የናዲ፡ ተደናገጽቲ ወይ ድማ ወገናት ናይ’ቲ ግዳይ፡ ገበነኛ ንኽርከብ ብሃንቀውታ ይጽበዩን ዝመሰሎም ወይ ዝፈልጥዎ ሓበሬታ ከፍልጡ ይጓየዩን። ኣብ መስርሕ መርመራ - ገበነኛ መን ከም ዝዀነ መንቋሕቋሕታ ዝህቡ ወይ ዝነግሩ ሓበሬታታት፡ ከም ዝስወሩ ወይ ኣደናገርቲ ከም ዝዀኑ ዝገብሩ ደገፍቲ ገበነኛ፡ ወይ ተሓባበርቲ ገበነኛ፡ ወይ እውን እቲ ወይ እቶም ብቐጥታ ኣብ ገበን ዝተሳተፈ/ፉ ገጸ-ባህርያት ይርከቡ። በዚ መንገዲ - ኣንባቢ ዛንታ ዝጽበዮ፡ እቲ ኣብ መጻወድያ ዝኣተወ ሰብ ይቕተልዶ ኣይቅተልን

ዘይኰነስ፡ ገበነኛ ይርከብዶ ኣይርከብን ይኸውን። እዚ ግን፡ ናብ “እሮማይ” ዝዓይነቱ ኣዘናትዋ ገጹ ምእንቲ ከየምርሕ ጥንቃቐን ብልሓትን ዝሓትት እዩ። ፍጻመ ምስ ተዘንተወ፡ ብኡ ንብኡ

ምስ’ቲ ገበን ዝተኣሳሰሩ ሕልኽላኽ ፍጻመታት ወይ ክስተታት ብምስዓብ፡ ኣንባቢ ክተሓዝ ክኽእል ኣለዎ። ኣንባቢ - ድሮ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ዝተነግሮ ጉዳይ ሰለውለው ዝብለሉ ምኽንያት የብሉን። ስለ ዝዀነ፡ ሞት ናይ ግዳይ፡ ምስ ካልኦት ንኣንባቢ ዘገድሱ ወይ ዝደልዮም ነገራት ዝተኣሳሰረ ከም ዝዀነ ኣመት ክወሃብ ኣለዎ። “መን? ስለምንታይ?፡ ኣበይ?፡ ብኸመይ?፡ መዓስ?. . . ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ርእሲ ተኸታታሊ ዛንታ ክመልኡ የድሊ። ብኡ ኣቢሉ ናይ ሓደኦም ወገን ካብ ገጸ-ባህርያት ደጋፊ ኰይኑ፡ ኣብ ውጽኢት መርመራ ትጽቢት ዘሕድረሉ ኩነት ክፍጠር ኣለዎ። ኣብ “suspense story”

(ኣንጠልጣሊ ዛንታ) ገበን ክፍጸም ከም ዝኽእል ዘመልክት ገለ ኣመት ኣብ ፈለማ ምዕራፋት ይሰፍር’ሞ፡ ዝስዕብ ዛንታ፡ ኣብ’ቶም ነቲ ዝተዋደደ መጻወድያ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዝተራቐቐ መርመራ፡ ምጥንናግን ምትእስሳርን ናይ ደቀቕቲ ይኹኑ ዓበይቲ ነገራት ኣብ ምፍታል ዝንጸባረቕ ብልሓት፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ኣብ ዓይኒ መርመርቲ ወይ ሰለይቲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ኣብ ምፍታሽን ምምርማርን፡ ናይ ተጻባኢን መርመርቲን ስዉር ጭርጭር ዓበደ፡ ንድሕነት ተደላዪ ዝውሰዱ ትኩራትን ተኸታተልቲን ጥንቃቐታት. . . ዝተሰረተ ይኸውን። ኣንባቢ - “እቶም ገበን ክፍጽሙ ዘንቀዱ ሰባት ይርከቡ ደዀን - ተደላዪ ግዳይዶ ይኸውን?. . .’ ኣብ ዝብል ግድል ተሸሚሙ፡ ገጽ መጽሓፍ ክግንጽል ይድረኽ። ስለ ዝዀነ፡ ግርጭታት ዛንታ፡ ገበን ድሕሪ ምፍጻሙ ዘይኰነስ - ገበን ቅድሚ ምፍጻሙ ይፍጠሩ። ደራሲ - ተነባቢ ዛንታ ክጽሕፍ

ምስ ነቐለ፡ ብቐዳምነት ዝሓሰበሉ ብልሓት እንተ ነይሩ፡ ኣብ ፈለማ፡ ሒዙ ዘይሰድድ ዓንቃሪቦ፡ ኣብ ኣንባቢ ከንብር ምኽኣሉ እዩ። ከምኡ ስለ ዝገበረ ድማ፡ ዛንታኡ ብፍታውካ ከም እተንብቦ ገይሩካ። ጸሓፊ እምበኣር፡ ኣብ’ቲ ዝመረጾ

ሜላ፡ ፈለማ ገለ ኣመት ናይ ሓደ ፍጻመ ሂቡ እዩ ጀሚሩ። ኣንባቢ ገለ ኣመት ክሕዝ ስለ ዘለዎ፡ ብዛዕባ ክልቲኣቶም ተጻረርቲ ገጸ-ባህርያት ሓበሬታ ፈይ ብምባል ዛንታኡ ቀጺሉ። ናይ ግዜ ቀይዲ ከኣ ሓደ ካብ’ቲ

ደራሲ ንተኸታተልቱ ኣብ ወጥሪ ዝሸምመሉ ብልሓት እዩ። ነገራት ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ክፍጸሙ ኣለዎም። ፈጻሚ ሓደጋ ወይ ሓደጋ ንኽፍጽም ኣብ መስርሕ ዘሎ ገጸ-ባህሪ፡ ልዕሊ ክልተ ሰዓት ዕድል እንተ ረኺቡ፡ ሓሳቡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፍጽሞ ርግጸኛነት ከም ዘለዎ ነጊሩካ ኣሎ።

ብኣንጻሩ ዘሎ ገጸ-ባህሪ ድማ ሓደጋ ንኸይፍጸም ኣብ ውሽጢ እተን ዝተወሰና ሰዓታት ዓጋቲ ስጉምትታት ክወስድ ከም ዘለዎ ተገንዚብካ ኣለኻ። እቲ ወጥሪ ድማ ኣብ’ዚ ናይ ግዜ ገደብ ይምዕብል። ምናልባት እቲ ሓደጋ ንኸይፍጸም ዝጓየ ገጸ-ባህሪ፡ ናብ ቦታ ሓደጋ ንኽበጽሕ ክልተ ሰዓት ክውሕዶ ይኽእል ይኸውን፡ ወይ ድማ ኣብ ጉዕዞኡ ወይ ዝወስዶም ስጉምትታት ሓያሎ ዕንቅፋታት ክገጥምዎ ይኽእሉ ይዀኑ፡ ወይ ድማ ብናይ ሓበሬታ ምድንጋር ላንጋ-ላንጋ ኰይኑ ግዜ ከጥፍእ ይኽእል ይኸውን። ብዘለዎ ፍጥነት ምስ ሰዓት እንክቀዳደም “የርክብዶ ኣየርክብን?” ዝብል ወጥሪ ይነግስ። ካብ ገበናዊ ዛንታ ወጻኢ እንተ ዀነ

እውን፡ ናይ ግዜ ደረት ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ናብ ሕክምና ክበጽሕ ዘለዎ ውላድ፡ ምስ ግዜ ብምቅድዳም ክበጽሕ እናኸደ፡ ብሰንኪ ትራፊክ ጉዕዞ እንክደናጐ፡ መኪና ኣብ መንገዲ ነዳዲ ወዲኣ ደው ምስ በለት ክውሰድ ዝኽእል ስጉምቲ፡ ምናልባት እውን ኣብ ዝተደልየ ቦታ ምስ ተበጽሐ ሓካይም ምስ ዘይጸንሑ ዝፍጠር ኩነት፡ ኣብ ወጥሪ ክሸምም ይኽእል። ኣብ ፍቐዶ ዛንታ፡ ወጥርታት ዘሪኡ

ዕረፍቲ ንኸይትረክብ ከልኪሉካ። ኣብ ምግንጻል ገጻት መጽሓፉ ጸሚዱካ። ዛንታኡ ወጥሪ እንተ ዘይህልዎ፡ ብዙሕ ከይሰጎምካ ተንባሁቝ ምሃለኻ። ምናልባት’ውን መጽሓፉ ኣብ ጣውላ ደርቢኻሉ ናብ ካልእካ መበልካ። ንነገራት ብብልሓታዊ መንገዲ ጠናኒጉ፡ ንዓኻ እውን ኣብ’ቲ ክስተት ኣእትዩ፡ ነቶም ጥንግናጋት ክትፈትሕ ሑዅ ናብ ምባል ደፊኡካ። ፍጻመታት ኣቐዲምካ ከም

እትግምቶም ገይሩ ኣይሃነጾምን። ምኽንያቱ፡ ዝኾነ ይኹን መጻኢ ወይ ትጽቢት ወዲ-ሰብ፡ ፍጹም ከም ዘይኰነ ስለ ዝፈልጥ፡ ኣብ ዘይርጉጽነት እዩ ዘንሰላልወካ ዘሎ። እቲ ከም ርጉጽ እትወስዶ መጻኢ’ኳ፡ ብፍጹም ምሉእ ብምሉእ ከም ትጽቢትካ ክኸውን ዝኽእል ኣይኰነን። ጸሓፊ - ነቲ ተጻይ ዝዀነ ገጸ ባህሪ

እኹል ሓይሊ ክህቦ ብምኽኣሉ፡ መን ከም ዝስዕር ኣቐዲምካ ከም ዘይትውስን እዩ ገይሩካ። ዋላ’ኳ ነቲ ገባሪ እከይ

ብልሓተኛ ደራሲ!

ገጸ-ባህሪ ክትኩንኖ እንተ ኸኣልካ፡ ሓደጋ ኣብ ምፍጻም ብዝገብሮ ናይ ምንቅስቓስን ምስዋርን ብልሓታት ኣደኒቑካ እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ መርማሪ ገበን ወይ ድማ እቲ ብኣንጻሩ ደው ዝበለ ገጸ-ባህሪ፡ ነቶም ብልሓታት ኣብ ምፍሻል ዝምህዞም ሜላታት ብህንጡይነት ንኽትከታተል ደሪኹካ። ብኣንጻሩ ድማ ተመጣጣኒ ጅግና እዩ ፈጢሩ። ኣብ መንጎ ክልቲኣቶም ገጸ-ባህርያት፡ ሰፊሕ ናይ ሓይሊ ጋግ እንተ ዝሃንጽ ነይሩ፡ ሓርማዝን ጻጸን ከቃልስ ከም ዝፈተነ ገይርካ ምቘጸርካዮ’ሞ፡ ዛንታ ናይ’ዞም ክልተ ዘይዳረጉ ሓይልታት ንኸተንብብ ኢልካ ሓንቲ ካልኢት’ኳ ዓቕሊ ኣይምገበርካን። ንኽልቲኦም ወገናት ብተመጣጣኒ ሓይሊ ብምህናጽ ኣብ ዝፈጠሮ ግርጭታት፡ ሚዛን ሓይሊ፡ ሓንሳብ ናብ ሓደ ወገን፡ ካልእ ግዜ ድማ ናብ’ቲ ካልእ እናዝበለ፡ ክሳብ መወዳእታ መን ከም ዝስዕር ከይወሰንካ ከም እትከታተሎ ብምግባሩ፡ ኣብ ምግንጻል ገጻት ናይ መጽሓፍ ኣለኻ።

ኣንታ ጸሓፊ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ህዝቢ

ኣንታ ደራሲ፡ መርማሪ ስምዒት ልቢ

ወግሐ ጸብሐ ክመላለስ ናባኻንኽትሕግዘኒ ክኸውን ከማኻኣሚነካ ክብርኻ እናሃረርኩ

ተመላሊሰካ ተስፋኻ እናናደኹ!ተስፋይ ናብ ባዶ ንኸይልወጥኣይትረስዓኒ ልበይ ከይስንብድ!ንእሽቶ እየ ከም ትፈልጠኒ

ባዕልኻተስፋ’የ ዝደሊ ዘብቃዓኒ ከማኻ፡ንስኻ ደኣ ደጊም ዓቢኻ እንዲኻወለዶ የድልየካ ዝትክእ ሞያኻኣውርሰኒ ኣባኻ’ዩ ተስፋይኣባኻ ተመርኲሰ ከግህዶ

ሕልመይ ደግፈኒ ኣባኻ’ዩ እምነተይ ደራሲት ክኸውን ኩነኒ

“ሞዴለይ”

ተማሃሪት ስዋስው ወረደ

“ሞዴለይ”

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 7 መበል 25 ዓመት ቁ.267

እቲ ብክልሳ ሓሳብ ዝወሃብ ትምህርቲ ብተግባር ንምዕያይ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተወሳኺ ትምህርቲ ከም ዝተዋህቦም ብምግላጽ ከኣ፡ ኣብ ዓበይቲ ትካላት ዑደት ብምክያድ፡ እቲ ትምህርቲ ብቕልል ዝበለ መንገዲ ከም ዝተማህሩ ትገልጽ።“ብክልሰ ሓሳብን ግብርን ዝተሰነየ

ትምህርቲ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃር-ምስትምሃር ኣዝዩ ውጽኢታዊ’ዩ። ብግብሪ ዝተሰነየን ብግብሪ እትርእዮን ዕዮ፡ ካብ ኣእምሮኻ ቀልጢፉ ዘይሃስስ ብምዃኑ፡ ብተወሳኺ’ውን ልምዓታዊ ንጥፈታት ዝሰላሰለሎም ዘሎ ቦታታት ብኣካል ብምዕዛብና ዝያዳ ሓጊዙና” ዝበለ ብዓውደ ህንጻ ዝተመረቐ ተማሃራይ ዮናስ ተስፉ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ዝተማህሮ፡ እኹል ከም ዘይኰነ፡ ዕድል እንተ ረኺቡ ክቕጽል ከም ዝደልን ናይ ወለዱ ደገፍ ኣብ ትምህርቱ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝነበሮን ሓቢሩ።ኣብ’ቲ ወለድን ዕዱማት ኣጋይሽን

ዝተረኸቡሉ ጽንብል፡ ንተመረቕቲ ናይ ምስክር ወረቐት ድሕሪ ምዕዳል፡

ልዑል ነጥቢ ንዘመዝገቡ ተማሃሮ ቀዳማይን ካልኣይን ዓመት፡ መተባብዒ ሽልማት ተዓዲሉ። ብድሕሪ’ዚ ብተመረቕቲ ዝተዳለወ ኤግዚቢሽን ንዕዱማት ኣጋይሽ ቀሪቡ። ቤት ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ

ንመበል 56 ግዜ እያ ተመርቕ ዘላ።

መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ዛ ቤት ትምህርቲ ሞያዊ ክእለታት ዘጥርዩ ዝነበሩ ክኢላታት፡ ኣብ ሃገርና ውሱን ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ሓቢሩ። “እዞም ሎሚ ንመመረቕታ ዝበቕዑ ተማሃሮ፡ መንግስቲ ብዘዋደደሎም መሰረት፡ ተረባሕቲ ክልተ ነገር’ዮም፣ እቲ ቀዳማይ፡ ንክልተ ዓመት ብዝተፈላለየ ሞያ ክእለት ኣጥርዮም ህይወቶም ዝመርሑ ባይታ ምፍጣር ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ብምስታፍ ንዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዕድል ዝኸፍት’ዩ” ክብል ድማ ጠቒሱ።ኣቶ ከበዶም ቀጺሉ፡ ተማሃሮ እዚ

ቐሲመምዎ ዘለዉ ሞያ፡ ትምህርቲ ብምድላብ፣ ምስ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምጓዓዝ፡ ናብራ ህዝቢ ኣብ ምልዋጥ ክሳተፉ፡ ምዕቡል ሕግን ፍትሕን ከንግሱ፡ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ብምንጋስ ጽፉፍን ውርጹጽን ምሕደራ ኣብ ምህላው ክነጥፉን ብሓፈሻ ፍልጠትን ክእለትን ናብ ወለዶ ዘሰጋግሩ ክዀኑን ኣዘኻኺሩ።

“ኣብ’ዛ ቤት ትምህርቲ ዝምህሩ መምሃራን፡ ብዘይካ’ቲ ልዑል ደረጃ ትምህርቶም ብሞያ ዝበሰሉ’ዮም። ሰለ’ዚ፡ ፍልጠት ኣብ ምትሕልላፍ ልዑል እጃም የበርክቱ ኣለዉ። ተወሳኺ’ውን ተግባራዊ ትምህርቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ ስራሕ ዝካየድ’ዩ። ኣብ’ዚ’ውን ተራ መምሃራን ልዑል’ዩ” ክብል ኣረዲኡ። ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ነቲ ከይተሓለለ ዘምሃሮም መንግስትን ህዝብን ክኽሕሱ ድሕሪ ምልባው፡ ኣብ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ዝሓገዙ ኩሎም ኣካላት ኣመስጊኑ።

ኣብ ሚ/ሪ ትምህርቲ ሓላፊ ክፍሊ ቴክኒካውን ሞያውን ትምህርቲን ስልጠናን ኣቶ ተስፋይ ስዩም ኣብ ዘስምዖ ቃል ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምዕቡልን ስልጡኑን ዓቕሚ-ሰብ ቀንዲ ረቛሒ ንቁጠባዊ ዕብየት ምዃኑ ብምርግጋጽ,ንትምህርቲ ቀዳምነት ሰሪዑ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ። ቤት

ክቕጽል ከም ዝደሊ ገሊጹ። ሓደስቲ መሳርሒ ማሽናት ተኣታትየን ከብቅዓ፡ እንተኾነ ግን ከይተጠቀሙለን ዓመት ስለ ዝተወደአት፡ ብድሕሪኦም ዝመጹ ተማሃሮ ግን ብግብሪ ክመሃሩለን ተላብዩ። “እዚ ዝቐሰምናዮ ሞያ፡ ናብ

ካልእ መድረኽ ዘስግረና ስጉሚ’ዩ። ትምህርቲ ድማ ሓይሊ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ጸጋ ናይዛ ምድሪ እውን’ዩ” ዝበለት ብዓውዲ ድራፊቲን ዝተመረቐት፡ ተማሃሪት ኣይዳ ነጋሲ ሓንቲ ካብተን ኣብ’ቲ ዕለት ብልዑል ነጥቢ - ማለት 3.75 ብምርካብ ጸብለልታ ዘርኣየት ጓል- ኣንስተይቲ እያ። ዝቐሰምዎ ምህሮ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽሰጋገሩ ባብ ዘርሕወሎም ከም ዝዀነ ብምሕባር ከኣ፡ ኣብ መጻኢ ብሲቪል ኢንጂነሪን ትምህርታ ክትቅጽል ከም ትደሊ ገሊጻ። ወ\ሮ ዓወት ኣርኣያ ሓንቲ ካብ’ተን

ዓወት ደቀን ክካፈላ ዝመጽኣ ኣዴታት’ያ። “ትምህርቲ ደረት ኣልቦ’ዩ። ሰለዝዀነ፡ ነዚ ሎሚ ዝምረቕ ዘሎ ወደይ ማርዶካይ ዳኒኤል፡ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ እየ ዘተባብዖ። ምኽንያቱ፡ ዝተማህረ ሰብ ቀዳምነት ንነብሱ’ዩ ዝኸውን። ብድሕሪ’ዩ ንወለዱን ንሃገሩን እጃሙ ዘበርክት። ኣነ’ውን ክሳብ ሕጂ ትምህርተይ ኣብ ምክትታል እየ ዘለኹ። ስለዚ፡ ወደይ’ውን ናተይ ኣብነት ክኽተል እየ ዝደልዮ” ብምባል፡ ዕለተ መመረቕታ፡ ተማሃሮ ብሓያል ጻዕርን ተባላሕነትን ቅርብነትን ንናይ መጻኢ ራእይ ዘረጋግጹላ ዕለት ምዃና ገሊጻ።ተማሃሪት ሰሚራ ዓሊ

ካብ እምባደርሆ እናተመላለሰት’ያ ትምህርታ ክትከታተል ጸኒሓ። ንሳ፡ “ዓወደ ኤለትሪክሲቲ ክመሃር ቀንዲ ዝደረኸኒ ወላዲየይ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣቦይ ዝውንና ናይ ኤለትሪክሲቲ ድኳን ኣላትና። ብወገነይ ኣብ ስራሕ ስለ ዝተሓጋገዞ፡ ነቲ ሞያ ክፈትዎ ድርኺት ፈጢሩለይ እዩ”ትብል።

ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ፡ መንእስያት ኣብ ምምልማል ተጸሚዳ ትርከብ ቤት ትምህርቲ ምዃናን ሎሚ ብዝተፈላለየ ዓውደ-ሞያ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ተማሃሮ ከተመርቕ ምብቃዓን ድሕሪ ምጥቃሱ፡ መንእስያት ተማሃሮ ንዝተዋደደሎም ዕድላት ትምህርቲ ብግቡእ ክጥቀምሉ፡ ብኩሉንትናኦም ብቑዓትን ጽኑዓት ኣብ መብጽዐኦምን ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ምንጋስ ህርኩታትን ክኾኑ ኣዘኻኺሩ። “ምኽንያቱ ኣብ ውዑይን ዝሑልን መድረኽ ዝለኣኽ፡ ሞተር ምዕባለ ዝዀነ መንእሰይ እዩ።” ድሕሪ ምባል ከኣ፡ መንእሰያት ሕድሪ ሰማእታት ብምኽባር፡ ዘመናዊ ፍልጠት ብምዕጣቕ ንቕድሚት ክስጉሙ ዘለናዮ መድረኽ ከም ዝሓቶም ኣብሪሁ። ወኪል ተመረቕቲ፡ ተማሃሪት

ናኦዲ ዮውሃንስ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ “ነቲ ብሞያን ቀለምን ክንመሃሮ ዝጸናሕና መድረኽ ዛዚምና፡ ናብ ስራሕ ዓለም እንዋፈረላ ዕለት እንቋዕ ኣብቀዓና” ድሕሪ ምባል፡ “ነቶም መኣዝንና ኣብ ምሓዝ ከይተሓለልኩም ፍልጠትኩም ዘካፈልኩምና ክቡራት መምሃራንና፡ ከምኡ’ውን ወለድና ዝኸፈልኩሞ ዋጋ፡ ፍረ ጻማኹም እትርእዩላ ክብርቲ ዕለት’ያ፡ ብፍላይ ድማ ልዑል ወጻኢታት ብምግባር ባይታ ዘንጸፈልና መንግስትና እነመስግነላን ቃል እንኣትወላን ዕለት’ያ” ብምባል፡ ዕለተ መመረቕታ ዝያዳ ናብ ዝበረኸ መድረኽ ዝሰጋገሩሉ እምበር፡ መዛዘሚ ምዕራፍ ናይ ትምህርቲ ከምዘይኰነ ሓቢራ። ካብ ተመረቕቲ፡ ብዓውደ

ኤለትሪክሲቲ 3.85 ነጥቢ ብምምጻእ ቐዳማይ ዕዉት ዝዀነ ተማሃራይ ኖህ ዘርአ፡ “ዕዉት ክኸውን ዘኽኣለኒ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ዘጽናዕክዎ ክርድኦ ስለ ዝጽዕር’የ፡” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ’ዚ እዋን ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ተሳቲፉ፡ ብኤለትሪካል ኢንጂነሪን ትምህርቲ

እዚ ዘለናዮ ወቕቲ፡ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ሃገርና ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኣብያተ ትምህርቲ ቴክኒካውን ሞያውን ስልጠናታትን፡ ብዝተፈላለየ ዓውደ-ትምህርቲን ሞያን ትምህርቶም ክከታተሉ ንዝጸንሑ ተማሃሮአን ኣብ ምምራቕ ዝርከባሉ ግዜ’ዩ። እዚ በብዓመቱ ዝጥረን ዝድለብን ዘሎ ሞያዊ ዓቕሚ ሰብ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ መንግስቲ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝገብሮ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ወጻኢታት እዩ። ኣብ መዳይ ትምህርቲ ዝግበር ወፍሪ፡ ብዙሕ እቶት ዝሕፈሶን ኣብ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ወሳኒ ረቛሒ ዝጻወትን እዩ። ወዲ-ሰብ ነዛ እንነብረላ ዓለም ክፈልጣን ከጽንዓን ከምኡ’ውን ኣብ ከርሳ ንዝርከቡ ነገራት ኣብ ረብሓኡ ከውዕል እንከሎ፣ ጎድኒ-ጎድኑ ኣገዳስነት ትምህርቲ እናተገንዘበ ጥራይ ዘይኮነ ኣፍልጦኡ እናሰፍሐ ከምዝመጸ ርዱእ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኣብ ምርምርን መጽናዕትን ገዚፍ ወጻኢታት ብምግባር፡ ዓለምና ብሓደስቲ ርኽበታት ክትምዕብልን ናብ ንእሽቶይ ቁሸት ክትቅየርን ኣኽኢልዋ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ዚ ሰረት’ዚ ደው ብምባል’ዩ፡ ብትምህርቲ ዝተዀስኮሰ፡ ዘመናዊ ፍልጠት ዝዓጠቐ፡ መሃዝን ኣፍራይን ዜጋ ንምምልማል ዓቢ ቈላሕታ ብምሃብ ዝሰርሓሉ ዘሎ።ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ፡ ቤት

ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ብዝተፈላለየ ዓውደ ትምህርቲን ሞያን ከተሰልጥኖም ዝጸንሐት 200 ተማሃሮ፡ ብ2 ሓምለ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ቤት ትምህርቲ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ። እቶም ብጽርበት ሓጺን፡ ቤት ዕዮ ማሽን፡ ምዕራይ መኪና፡ ጽርበት ዕንጸይቲ፡ ህንጻ፡ ሬድዮ ኤለትሮኒክስ፡ ኤለትሪክሲቲ፡ ንድፊን ቅየሳን ክመሃሩ ዝጸንሑ ተማሃሮ፡ ኣብ ክልተ እብረ እናኣተዉ እዮም ብክልሰ ሓሳብን ግብርን ትምህርቶም ክከታተሉ ጸኒሖም። ኣብ’ቲ ሰዓት 8፡00 ቅ.ቐ ዝጀመረ መደብ፡ ዳይሬክተር

ቤት ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ ኣቶ ከበዶም ተድላ ኣብ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ሰነ-ኪነት ኣስመራ ካብ 1954 ኣትሒዛ፡ ኣድማዒ ክእለትን ልዑል ዓቕሚ ዘለዎምን ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ክኢላታት ከምዘፍረየት ገሊጹ። ኣብ እዋን

ተማሃራይ ኖህ ዘርእተማሃሪት ኣይዳ ነጋሲ

ሪፓርታ

ዥዳህላክ ነጋሲ

“ዝቐሰምናዮ ትምህርቲ፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ሰረት ዘንጽፈልና’ዩ”ተመረቕቲ

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 8 መበል 25 ዓመት ቁ.267

n

ሺሃብ ኣርኣያ

ቀቢላ ዴንካ፡ እታ ዝዓበየት ቀቢላ ደቡብ ሱዳን’ያ። ብዝሒ ኣባላት’ዛ ቀቢላ ከባቢ 50 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ይሽፍን። ዴንካ፡ ንሕና ዘርኢ’ቲ ዓቢ መስራቲ

ዴንካ “ዲንግ ዲን” ኢና ይብሉ። “ዲንግ ዲን” ብቋንቋ ዴንካ “እቲ ዓቢ ፈጣሪና” ማለት’ዩ። ከም2 ኣበሃህላ ዴንካ፡ “ሓደ እዋን ሰማይ ብጸላም ተሸፈነት’ሞ፡ ከቢድ በርቅን ነጎዳን ዘሰነዮ ሓያል ዝናብ ክዘንብ ጀመረ። ሃንደበት፡ ሓንቲ ቆማትን ጽብቕትን “ኣሉት” እትጽዋዕ ፡ብቋንቋ ዴንካ ጓል፡ ‘ደበና’ ዝብል ትርጉም ኣለዎ፡ ጎርዞ ካብ ሰማይ ብምውራድ ጽቡቓትን ጸዓዱን ኣስናን ዘለዎ ህጻን ወለደት’ሞ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ከም ገጸ በረከትን ጸጋ’ዚ ህጻን ንዘልኣለም ምሳኹም ክነብርን፡ ጸዓዱ “ኣሓ” ሕረዱሉ በለቶም። ነዚ ምስ ገበሩ ድማ፡ ዳግማይ ብርቱዕ ዝናብ ሃረመ “ኣሉት” ከኣ ነቲ ህጻን ገዲፋ ናብ ሰማይ ተመልሰት። ካብ ሽዑ ጀሚሮም፡ ዴንካ ጸጋ ዲንግ ኣብ ሂወቶም ምእንቲ ክዓስል ካብ ከብቶም ብስሙ ሓንቲ ዘይትሽየጥን ዘይትሕረድን ላም የትርፉ፡ ካብ ፍርያታ ድማ ይጥቀሙ። ኣብ ፈለማ ወቕቲ ክረምትን ምእካብ ምህርትን፡ ሓንቲ ስብሕቲ ላም ወይ ጤል ንክብሪ ዲንግ ይሓርዱ። ዲንግ፡ ገዝምን ጋር ነብስን ብከብቲ

ክኸፍሉን፡ ከይዝምውን፡ ከይሰርቁን፡ ንጋሻ ብጽቡቕ ክቕበሉን፡ ንካልኦት ሰባት ባራዩ ከይገብሩን ከም ዝኣዘዞም ዴንካ ይኣምኑ።ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዴንካ ልዑል ክብሪ’ዩ

ዘለወን፡ ነፍሰ-ጾር ዴንካ እቲ ቦኽሪ ውላዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ’ያ እትገላገል። ድሕሪ ምሕራሳ፡ ክሳብ ክልተ ዓመት ድማ ምስ እንዳ ስድርኣ ትጸንሕ። በዓል ቤታ ውላዱ ክሪኢ ምስ ዝመጽእ፡ እታ ሓራስ በዓልቲ ቤቱ ጤል ትሓርደሉ። ህጻን ዴንካ ኣብ ሻብዓይ ወርሑ’ዩ ስም ዝወጾ። ስም ኣባሓጎታቱ ወይ’ውን ምስ ምውላዱ ዘጋጥሙ ክስተታት ይዋሃቦ። ህጻናት ዴንካ፡ ነንሕድሕዶም ክበኣሱ

ኣብ’ዛ ቀቢላ ከም ንቡርን ኣገዳስን ነገርን’ዩ ዝሕሰብ። እቲ ህጻን፡ ኣብ መጻኢ ሓያልን ተፈራህን ምእንቲ ክኸውን፡ ስድራ ቤቱ ናብ ደገ ብምውጻእ ምስ መሳትኡ ክበኣስ የገድድዎ። ከምኡ ብምዃኑ እቶም ዓበይቲ “ወድኻ ንወደይ ሃሪምዎ” ብዝብል ሰበብ ነንሕድሕዶም ኣይበኣሱን’ዮም።ዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት ዝገበረ

መንእሰይ ዴንካ፡ እቲ ኣገዳስን ንመጻኢ ሂወቱ ዓበይቲ ተመክሮታት ዝድልበሉን መድረኽ’ዩ ዝኣቱ። ኣብ’ዚ ዕድመ፡ እቲ ንቡር መጓሰ ከብቲ

ብምቁራጽ ኣብ ግንባሩ ኣባል’ዛ ቀቢላ ምዃኑ ዝሕብሩ ንጋድም ሕንጻጻት ይግበረሉ። እታ ጎርዞ ድማ፡ እተን ቀዳሞት ታሕተዎት ኣስናና ይስደዳ።ኣብ እዋን ፍትሕ፡ እቲ ፍትሕ ብፍቓድ

እታ ሰበይቲ ወይ’ውን ስድራቤታ ምስ ዝኸውን፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህባ ገዝሚ ንሰብኣያ ትመልሰሉ። ውላድ ምስ ዝህልዎምን እቲ ውላድ ወዲ እንተኾይኑን፡ ኣቦኡ ንመዕበይ ዝኸውን ገንዘብ ይህብ፡ ጓል ምስ እትኸውን ግን፡ ምስ እትምርዖ ንወላዲኣ ኣርባሒ ገዝሚ ከተምጽኣሉ ብምዃና፡ ክንዲ ዋጋ ገዝማ ንቐለባ ክኸፍል ይግደድ።ሓደ ዴንካዊ ምስ ዝሓምም፡ ናብ

ከባቢኡ ዘሎ ጠንቋሊ ብምኻድ’ዩ ዝፍወስ። ብመሰረት እምነቶም እንተሓውዩ፡ እቲ ጠንቋላይ፡ ነቶም ሒዞሞ ዝነበሩ ርኹሳት መናፍስቲ ክስዕሮም ክኢሉ ኣሎ ማለት’ዩ። እንተ ሞይቱ ግን፡ ዲንግ “እቲ ዓቢ

ፈጣሪ” ይጽውዖ ኣሎ ተባሂሉ፡ ብማይን ሳሙናን ተሓጺቡ ርእሱ ብምልጻይ፡ ገኒዞም ንየማን ጐድኑ ኣብ መቓብር ይቐብርዎ። መቓብር ዴንካ፡ ከቢብ ቅርጺ ዝሓዘን፡ ናይ ሜትሮን ፈረቓን ጎድንን ዕምቆትን ዘለዎ’ዩ። እቲ መዋቲ ዘይመሰለ ምስ ዝኸውን፡ ሓደ ካብ መቕርቡ ብስሙ ብምምርዓው፡ እቶም ዝተወልዱ ብስም መዋቲ ይጽውዑ። ድሕሪ ሳልስቲ ኣብ መቓብሩ ብምእካብ ሓዊ ኣጒዶም፡ ከባቢ’ቲ መቓብር ዘሎ መሬት ብኣባትር

ይሃርሙ። ድሕሪ’ዚ፡ መዋቲ ብርኹሳት መናፍስቲ ምእንቲ ከይርበሽ፡ ድራር ኣራዊት ኣብ’ቲ መቓብር ሓንቲ ዕየት ይኣስሩ። መዋቲ ካብ መራሕቲ ዓዲ ምስ ዝኸውን ግን፡ እታ ዕየት ብህየታ’ያ ምስኡ እትቕበር።መዋቲ ወዲ ተባዕታይ ምስ ዝኸውን፡

ዘለዎ ሃብቲ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ኣወዳት ደቁ ይምቀል። ጓል ኣንስተይቲ ምስእትኸውን ድማ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ይፍጸም።

ሽማግለ ኣንድሬህ ጂራር፡ ሓደ ንግሆ ነተን ስቡሓት ሽዱሽተ ኣባጊዑ ሒዙ ንኽሸጠን ናብ ዕዳጋ ወረደ።እንተኾነ ግን፡ ሰዓታት ክዕዘሩን መሬት

ክጽልምትን ምስ ምጅማሩ ስለዘይተመልሰ፡ በዓልቲ ቤቱን ወዶምን ናብ ፖሊስ ሓበሩ።ንጽባሒቱ ሰለስተ መርመርቲ ኣባላት

ፖሊስ ከተማ ሊሞጅ - ፈረንሳ ናብ’ታ ንእሽቶ ቁሸት ኦሲቲ መጽኡ። እቲ ድሃይ ኣጥፊኡ ዝነበረ ሃብታም ሓረስታይ ጂራር ወዲ ሰብዓ ዓመት ብምንባሩ፡ እቶም መርመርቲ “ወይ ብድኻም ተሰኒፉ ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ደቂሱ ሓዲሩ ይኸውን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ምናልባት ምስ’ቲ ዝነበሮ ዕድመን ኣህላኺ ስራሕ ሕርሻን ሃንደበት ሞይቱ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ካብ ምባል ሕሊፎም ኣብ ግምቶም ካልእ ኣይነበረን። እንተኾነ፡ ሓንቲ ካብ ከተማ ፓሪስ 250 ኪ.ሜ ሪሒቓ እትነብርን ንጂራር ይኹን ነታ ቁሸት ፍጹም ርእያቶም ዘይትፈልጥን ሰበይቲ፡ ጂራር ተቐቲሉ ከም ዝሞተ፡ ሬሳኡ ዝተቐብረሉ ቦታ ብዝምልከት ከምኡ’ውን ብዝዕባ ቀታሊ ገለ ሓበሬታ ንኣባላት ፖሊስ ሃበት።ዕለት 4 ጥቅምቲ 1938 ዓ.ም

መርማሪ ፖሊስ ፖል ማርሻል ምስ ክልተ ተሓባበርቱን ኣባላት ፖሊስ’ታ ቁሸትን ነበርታን ብምዃን ኣብ ወሰናስን መገድን ሕርሻ ጂራርን ኣብ’ታ ቁሸት ዝርከባ ዒላታትን ዳህሲሶም። እንተኾነ ግን ኣሰር ክረኽቡ ኣይከኣሉን። እቲ መስርሕ ንሳልስቲ ቀጸለ ካብ’ታ ቁሸት ወጻኢ ክሳብ እቲ ዕዳጋ ዝርከባ ከተማ ሊሞጅ በጽሐ። ሕጂ’ውን ድሃይ ጂራር ሽታ ማይ ኮነ። እቲ ከም ቀሊል ጉዳይ ተሓሲቡ ዝነበረ ምጥፋእ ጂራር ዓቢ ዛዕባ ብምዃን ኣብ ጋዜጣታት ተዘርገሐ።ዳይረክተር ፈረንሳዊ ማእከል ምርምር

መታፊዚክ ዝኾነ ዶክተር ዩጂን ፋቫሮ ብዛዕባ’ዚ ነገር ምስ ኣንበበ፡ ንፖሊስ ከተማ ሊሞጅ ብምድዋል ኣብ’ዚ ጉዳይ ክተሓባበር ከም ዝኽእል ንኣዛዚ ፖሊስ’ታ ከተማ ሓበሮ። እቲ ኣዛዚ ንዶ/ር ዩጂን “መዓስ ኢኻ’ሞ ክትመጸና” ምስ በሎ። “ኣነ ኣብ’ዚ ኮይነ’የ ነቲ ግድል ክፈትሖ - ጥራይ ካብ ንብረት መዋቲ ዝኾነ ነገር ስደደለይ” በሎ። እቲ ኩነታት ጋን ዝኾኖ ኣዛዚ ምስ መርማሪ ፖሊስ ፖል ማርሻል ብምርድዳእ ናብ’ቲ ዶ/ር ሓንቲ ጂራር ብቀጻሊ ዝኽደና ዝነበረ ቀጠልያ ሻለ ሰደደሉ። እታ ሻለ ናብ ኣድራሻ ዶ/ር ዩጂን ብዝበጽሐት ነቲ

ቻይናዊ ሊዩ ቺያንግ፡ ናይ “ሃገራዊ ሎቶሪ ቻይና’ ተዓዋቲ 740 ሽሕ ዶላር ምስ ኮነ፡ ነታ ሎቶሪ ሓቢኡ ናብ ቤቱ ብምኻድ ንበዓልቲ ቤቱ ድሕሪ ሕጂ ምስኣ ክነብር ከም ዘይክእል ብምሕባር 40 ሽሕ ዶላር ሂቡ ኣፋነዋ። እታ ብቐደሙ’ውን ምስኡ ብምንባራ ሕጉስቲ ዘይነበረት በዓልቲ ቤቱ ንሓሳቡ ኣይነጸገቶን። እንተኾነ፡ ንጽባሒቱ ፈለጥቶም ደዊሎም ‘በዓል ቤትኪ ኣብ ሎቶሪ ብምዕዋቱ

እዚ ድኻ ፊሊፒናዊ ህጻን፡ ቤቱ ኣብ ጎድኒ’ዛ ባር ዘላ’ያ። መብራህቲ ስለ ዘይብሎም ግን፡ ብብርሃን ናይ’ቲ ባርን ጎደናን እናተሓገዘ፡ ምሸታዊ ክሳብ’ቲ ባር ዝዕጾ ኣብኡ ኮይኑ የጽንዕ። ነዛ ስእሊ ኣጋጣሚ ዝሰኣሎ ጋዜጠኛ “ምስ ዓበኻ እንታይ ክትገብር ኢኻ?” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ “ንወላዲተይ ሉቺ ዘለዎ ገዛ ይገዝኣላ” በሎ።

ህዝቢታትን ባህሊታቶምን

ቀቢላ ዴንካ

ቅድሚ ነዊሕ ዝሓስበሉ ዝነበረ ፈተና ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ቆጺሩ ናብ መንበሪ’ታ ሓያል ሻድሻይ ህዋስ ከም ዘለዋ እትፍለጥ ወ/ሮ ኣዲስ ሞሪል ብምኻድ፡ እቲ ሻለ ኣብ ቅድሚኣ ብምቕማጥ “ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትፈልጢ” በላ። ነታ ሻለ ንፍርቂ ስዓት ዝኣክል ቀው ኢላ ምስ ጠመተታ ድማ ዓይና ብምዕማት “ እርግ ዝበለ ጎፍጓፍ ጁባን ጻዕዳ ስረን ተኸዲኑ ኣሎ። ኣብ’ታ ተሓንጊጡዋ ዘሎ ቦርሳ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣሎ፡ ብሓደ ጸሊም ጃኬትን ቆቢዕን ዝተኸድነ መንእሰይ ተጨውዩ፡ ናብ’ታ ኣብ ወሰናስን መንገዲ ዘላ ግራት ብሓይሊ ቲደፊኡ ይውሰድ ኣሎ። ሕጂ ድማ ኣብ’ቲ ዕሙር ጫካ ኣትዮም ኣለዉ” በለቶ። ብድሕሪ’ዚ እቲ መንእሰይ ሽማግለ ጂራር ብጥይት ቀቲሉ ኣብ ጅብኡ ዝነበራ ገንዘብ ከም ዝወሰደን ሬስኡ ኣብ ጉድጓድ ኣእትዩ ብኣእማንን ክልተ ኣጉናድን ከም ዝጸቐጦን እቲ ሬሳ ዝርከበሉን ናብኡ ዝወስድን መንገዲ ዝርዝር ሓበሬታ ሃበት። ዶ/ር ዩጂን ብዛዕባ’ቲ ቀታሊ ክትሕብሮ ምስ ሓተታ “ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ነዊሕን ቀጢንን ጸጋመይቲ ኢዱ ሓንቲ ኣጻብዕቲ ዘይብላን መንእሰይ’ዩ” በለቶ።ብድሕሪ’ዚ ዶ/ር ዩጂን ነቲ ሓበሬታን

ብመሰረት እታ ወይዘሮ ዝሃበቶ ሓበሬታ ንዘዳለዋ ካርታን፡ ናብ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሊሞጅ ሰደደ። ንግሆ 10 ጥቅምቲ መርማሪ ፖል ማርሻል ምስ ተሓባበርቱ በቲ ዝተዋህቦም ካርታን ሓበሬታን ተሓጊዞም ምፍታሽ ጀመሩ። ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ድማ ሬሳ ግዳይ ኣብ’ቲ ወ/ሮ ኣዲስ ሞሪል ዝሓበረቶን ከም’ቲ ዝገለጸቶን ኣቀማምጣ ጸንሖም። ኣብ ዳሕረዋይ ርእሱ ካብ ቀረባ ብዝተቶኮሰ ጥይት ተሃሪሙ ነበረ። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት እቲ ስራሕ ዘይነበሮ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ነዊሕን ቀጢንን ጸጋመይቲ ኢዱ ሓንቲ ኣጻብዕቲ ዘይብላን መንእሰይ ማርክ ፒፔህ ተታሕዘ። ኣብ ገዝኡ ድማ እታ ገበን ዝተፈጸመላ ሽጉጥ ተረኽበት። ማርክ ነቲ ገበን ከም ዝወዓሎ ብዝርዝር ተኣመነ። ነቲ ዝምርምሮ ዝነበረ መርማሪ ፖሊስ ፖል ማርሻል ብምግራም “ከመይ ኢልኩም ፈሊጥኩምኒ” ብምባል ደጋጊሙ ይሓቶ ነበረ። ኣብ ጥሪ 1939 ዓ.ም ገበነኛ ማርክ ፒፔህ ብማሕነቕቲ ተፈርደ። ነቲ ደጋጊሙ ዝሓቶ ዝነበረ ሕቶ ግን መልሲ ኣይረኸበሉን። ምኽንያቱ እቶም ዝሓዝዎ ኣባላት ፖሊስ ንባዕሎም ነቲ ዛንታ ምእማኑ ኣጸጊምዎም ብምንባሩ።

ዘይተፈትሑ ግድላት

ከም’ዚ’ውን ኣሎ

እንቋዕ ደስ በለኩም’ ምስ በልዋ፡ ኣታሊሉኒ ብምባል ፍርቂ ናይታ ሎቶሪ ክህባ ተቐላጢፋ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓና ኣቕረበት። ቺያንግ ነታ ተዓዋቲት ሎቶሪ ንበዓልቲ ቤቱ ምስ ፈተሐ ከም ዝዓደጋ ከእምን’ኳ እንተፈተነ፡ ቤት ፍርዲ ግን ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ንበዓልቲ ቤቱ ዝሃባ 40 ሽሕ ዶላር ተወሳኺ 240 ሽሕ ክህባ ወሲኑሉ።

ዛንታ ስእሊ

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 9 መበል 25 ዓመት ቁ.267

ዜና ብሓጺሩ+ ዋጋ መእተዊ ትኬት ንውድድር ፍጻመ

ዋንጫ ዓለም 2018 ልዕሊ 1000 ዶላር ምብጽሑ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ኣፍሊጠን፣ እዚ መጠን ገንዘብ ድማ ኣብ ታሪኽ ናይቲ ውድድር ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፍለጥ ብምዃኑ ንብዙሓት ሰባት ኣገሪሙ ኣሎ፣ ኣብዚ ዝስዕብ ውድድር፡ ዝተሓተ ዋጋ መእተዊ ስታድዩም ትኬት 455 ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ማእከላይ ዋጋ ድማ 710 ከምዝበጽሕ ይግለጽ፣ ይኹን እምበር፡ ሩስያውያን ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝእንገድ ውድድር ንኽዕዘቡ፡ ዋጋ መእተዊ ትኬት ክሓስረሎም ምዃኑ ፊፋ የፍልጥ፣ ኣብ 2014 ኣብ ዝተኻየደ

ውድድር፡ ዝለዓለ ዋጋ መእተዊ ትኬት 990 ዶላር ምንባሩ ይንገር፣+ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ዝነበረ

ሲልቭዮ በርልስኮኒ፡ ንዝውንና ክለብ ኤሲ ሚላን ናብ ቻይናውያን ማሕበራት ከምዝሸጣ ኣፍሊጡ፣ እቲ ኢጣልያዊ ነታ ክለብ ብ400 ሚልዮን ዩሮ እዩ ሸይጥዋ፣ እንተኾነ እቶም ዓደግቲ ነቲ እታ ክለብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝኣከበቶ ምሉእ ዕዳ ብምኽፋል እዮም ነታ ክለብ ክርከቡ፣ እቲ ዕዳ ዛጊት ብንጹር እኳ እንተዘይተሓበረ ኣስታት 750 ሚልዮን ዩሮ ከምዝበጽሕ ይግለጽ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 100 ሚልዮን ዩሮ ክሳራ ዝገጠማ ሚላን፡

ናብ ታይላንዳዊ ብዓል ጸጋ ንምሻጥ ተቓሪባ ምንባራ ይንገር፣ እታ ቀንዲ መቐናቕንቲ ሚላን ዝኾነት ኢንተር ሚላን ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ቻይናዊት ትካል መሸጣ ኤለክትሮኒክስ ሱኒን ከምዝተሸጠት ይሕበር፣+ ጀርራዶ ማርቲኖ፡ መዝነት ምዕላም

ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኣረኪቡ፣ እቲ ኣሰልጣኒ፡ ኣርጀንቲና ብቺለ ድሕሪ ምስዓራ ኣብ ከቢድ ነውጺ ከምዝጸንሐን፡ ነታ ጋንታ ድማ ናብ ውድድር ኦሎምፒክ ንኸምርሓ ኣብ ምድላዋት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ መዝነቱ ኣረኪቡ፣ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ዓላሚ፡ ምስ ምቁራጽ ጸወታ ሊዮነል መሲ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ከምኡ እውን ዋንጫ ዘይምዕታር እታ ሃገራዊት ጋንታ ዘበገሶ ምግምማዕ ኣባላት ናይቲ ፈደረሽን ቦታኡ ክገድፍ ከምዘገደዶ ተፈሊጡ፣ በዚ ድማ ማርቲኖን ኩሎም ናይ ምዕላም ኣባላቱን ካብ መዝነቶም ከምዝተኣለዩ እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ፣ ኣብ 2014 መዝነት ምዕላም ዝተረከበ ማርቲኖ፡ ነታ ሃገራዊት ጋንታ መሪሑ ኣብ ዘካየደን 29 ጸወታታት ኣብ 19 ተዓዊቱ፣ ኣብ ሸውዓተ ድማ ማዕረ ክወጽእ እንከሎ፡ ሰለስተ ግዜ ድማ ተሳዒሩ፣ ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ጸወታታት ፍጻመ ዝበጽሐት ኣርጀንቲና ሓንሳብ እውን ጽዋእ ከተልዕል ኣይከኣለትን፣ በዚ ድማ እታ ጋንታ ጽዋእ ካብ ዘይተልዕል 23 ዓመታት ኣቑጺራ ትርከብ፣+ ዌስት ብሮም፡ ንማት ፊሊፕ ካብ ክለብ

ኪውፒኣር ከምዝዓደገቶ ኣፍሊጣ፣ እታ ጋንታ ነቲ ወዲ 25 ዓመት ተጻዋታይ ንኣርባዕተ ዓመታት ምስኣ ንኽጻወት ከተፈርሞ እንከላ ኣስታት 5.5 ሚልዮን ፓውንድ ድማ ወጻኢታት ገይራትሉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመተ ስፖርት ኣብ ኪውፒኣር ዝጸንሐ ፊሊፕ፡ 94 ጸወታታት ተሰሊፉ፡ 14 ሸቶታት ከኣ ኣመዝጊቡ፣ እቲ ስኮትላንዳዊ ተጻዋታይ፡ ኣብ ዓመተ ስፖርት 2014/’15 ኣብ ዝተኻየደ ጸወታታት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ 25 ግጥማት ኣካይዱ፣

እንታይ ከ ይበሃል ኣሎ?+ ማን ሲቲ ብተኸላኻሊ ክለብ ጁቬንቱስ

ሌዮናርዶ ቦኑቺ ንምግዛእ ዝቐረበቶ 45 ሚልዮን ዩሮ በታ ሻምፕዮን ኢጣልያ ዝኾዕነት ክለብ ተቐባልነት ምስኣኑ ተሓቢሩ፣ እታ ክለብ ብተወሳኺ ነቲ ተጻዋታይ ናብ ካልእ ክለብ ከተሰጋግሮ ከምዘይትደሊ ብንጹር መገለጺ ኣፍሊጣ፣ ምንጪ - ጃንሉካ ዲ ማርዚዮ+ ጆን ሳቶንስ ንክለቡ ኤቨርተን ናብ ማን

ሲቲ ክሰጋገር ከምዝደሊ ምሕባሩ ተፈሊጡ፣ ምንጪ - ደይሊ መይል+ ፒኤስጂ ንኣከፋፋሊ ክለብ ማን ዩናይትድ

ባስትያን ሽዋይንስታይገር ንምዕዳግ ተበግሶ ምግባራ ተገሊጹ፣ እታ ፈረንሳዊት ዓርሞሸሽ ክለብ፡ ምስ ምውጻእ ዝላታን ኢብራሂሞቪች መተካእታኡ ዝኸውን (መራሒ ክኸውን) ስም ዘለዎ ተጻዋታይ ሃሰው ትብል ምህላዋ ይግለጽ፣ ምንጪ - ስፖርት ቢልድ+ ንዲያጎ ኮስታ ካብ ቸልሲ ንምዕዳግ ላዕልን

ታሕትንክትብል ዝጸንሐት ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ኣንፈታ ናብ ቦሩስያ ዶርትመንድ ገይራቶ ኣላ - ንኣጥቃዒ ኣቡመያንግ ንምዕዳግ፣ እታ እስጳኛዊት ክለብ ነቲ ናይ ዶርትመንድ ኮኾብ 60 ሚልዮን ዩሮ ከተውጻኣሉ መዲባ ምህላዋ ብወግዒ ኣፍሊጣ፣ ምንጪ - ደር ዌስተን+ ኤቭርተን ንኣጥቃዒ ሳውዝሃምፕተን

ግራዝያኖ ፔለ ንምዕዳግ ዝርርብ ምጅማራ ተሓቢሩ፣ እንተኾነ እታ ክለብ ነቲ ኣጥቃዒ ብቐሊል መጠን ገንዘብ ከምዘይትረኽቦ ይግለጽ ኣሎ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብ ራዳር ሓያለ ክለባት ኤውሮጳ ከምኡ እውን ቻይና ብምእታዉ፣ ምንጪ - ሊቨርፑል ኢኮ+ ሳምፕዶርያ ነቲ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ

ዝርከብ ማርዮ ባሎተሊ ንምዕዳግ ምብጋሳ መራኸቢ ብዙሃን ኣፍሊጠን፣ ዝሓለፈ ዓመት ብምልክዕ ልቓሕ ኣብ ሚላን ክጻወት ዝጸንሐ እቲ ኢጣልያዊ ኣጥቃዒ፡ ኣብ 23 ጸወታታት ሰለስተ ሸቶታት ጥራይ ብምምዝጋቡ ኣቓልቦ ናይታ ወናኒት ክለቡ ዝኾነት ሊቨርፑልን ሚላንን ክስእን ክኢሉ እዩ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ሊቨርፑል ኣብ ንጥፈታት ቅድመ ምጅማር ዓመተ ስፖርት ተጸሚዱ ዝርከብ ባሎተሊ፡ ኣብ ሜዳ ኣንፊል ናይ ምጽንሑ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ከምዘሎ ይግለጽ፣ በዚ

ድማ እታ እንግሊዛዊት ክለብ ናይ ዝኾነት ክለብ ጻውዒት ነቲ ኢጣልያዊ ቀጠልያ መብራህቲ ናይ ምውላዕ ተኽእሎኣ ኣዝዩ ዕዙዝ ምህላዉ ይንገር፣ ምንጪ - ጎል+ ፈጻሚ ጉዳያት ክለብ ማን ዩናይትድ -

ኤድ ዎድዋርድ ምስወከልቲ ፖግባ ገጽ ንገጽ ክራኸብ መደብ ምሓዙ ተፈሊጡ፣ ወዲ 23 ዓመት ፖል ፖግባ እንተደኣ ናብ ማን ዩናይትድ ተሰጋጊሩ፡ ሞሪኖ እግሩ ኣብ ሜዳ ኦልድትራፎርድ ካብ ዘንብር ንዘፈረሞም ተጻወትቲ ናብ ኣርባዕተ ክብ ከብሎ እዩ፣ ምንጪ - ጋርድያን+ ቫለንስያ፡ ቸልሲ ንዘቕረበቶ ናይ 40

ሚልዮን ፓውንድ ጨረታ ኣንድሬ ጎመዝ ምንጻጋ ኣፍሊጣ፣ ምንጪ - ደይሊ ሚረር

** ** **

መሲ፡ 21 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱኮኾብ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ኣርጀንቲናን

ክለብ ባርሴሎናን ዝኾነ ሊዮነል መሲ፡ ካብ 2007 ክሳብ 2009 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ንመንግስቲ እስጳኛ ክኸፍሎ ዝግብኦ ናይ 4.1 ሚልዮን ዩሮ ግብሪ ብዘይምኽፋሉ ብቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር ን21 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማሕቡስ ክጸንሕ ከምዝተፈርደ መራኸቢ ብዙሃን ኣፍሊጠን፣

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ኣቦኡ ጆርጅ መሲ ናብ ቤት ፍርዲ ብቐጻሊ ክመላለስ ዝጸንሐ መሲ፡ ትማሊ ናይቲ ኣብ ኡራጓይን በሊዘን ብዛዕባ ዘካየዶ ናይ ምውዕዋዕ ስራሓትን ክኸፍሎ ብዛዕባ ዝነበሮን ግብሪን ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ ናይ 21 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ፍርዲ ተዋህቦ፣ ኣብቲ መጋብኣያ፡ ኣቦን ወዲን ብዛዕባ እቲ ኽከፍልዎ ዝግብኦም ቀረጽ

ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም ከምተኣመኑ ቢቢሲ የረድእ፣ብመሰረት ሕጊ እስጳኛ፡ ትሕቲ ክልተ

ዓመት ዝተፈርደ ገበነኛ፡ ነቲ መቕጻዕቲ ናይ ምውንዛፍ መሰል ስለዘሎ፡ መሲን ኣቦኡን ናብ ቤት ማሕቡስ ናይ ምውራዶም ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ እቲ ምንጪ ወሲኹ ይሕብር፣ ኣብቲ መጋብኣያ፡ መሲን ኣቦኡን ብኻልእ

ሰለስተ ጉዳያት እውን ገበነኛታት ኮይኖም ብምጽንሖም ናይ 2 ሚልዮን ዩሮ ከምኡ እውን ናይ 1.5 ሚልዮን ዩሮ ብተኸታታሊ መቕጻዕቲ ተበይኑሎም ኣሎ፣

መደብ ጸወታሎሚ

ኵዕሶ እግሪ ዞባ ማእከልሲቲ ሰንተር - ኣልታሕሪር

ገዛባንዳ - ኣዱሊስ

ማይተመናይ - ቀይሕ ባሕሪ

ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚረን ኣብ

ስታድዩም ኣስመራ ክጻወታ እየን፣

ዩሮ 2016ጀርመን - ፈረንሳ 10፡00 ምሸት

ዕዳጋ ሓሙስ ተዓዊታ

ስልጠና ኣትለቲክስ ክወሃብ ጀሚሩ

ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዓቕሚ ኣሰልጠንቲ ውድድራት ኣትለቲክስ ብቑጽርን ዓይነትን ክብ ንምባል ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ምስ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ማእከል ስልጠና ኣትለቲክስ East Africa Athletics Development Centre ብምውህሃድ ካብ 6 ክሳብ 17 ሓምለ ዝጸንሕ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ስልጠና ኣሰልጣንነት Level-1 coaching course ውድድራት ኣትለቲክስ ኣብ ኣስመራ ክህብ ምጅማሩ ህዝባዊ ርክባት ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣፍሊጡ፣እዚ ካብ መላእ ሃገር ንዝተዋጽኡ 3

ደቀንስትዮ ንዝርከባኦም 17 ኣሰልጠንቲ ብክኢላ ማእከል ስልጠና ኣትለቲክስ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚስተር ሊታባ ሳሙኤልን ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ ኣቶ ዳንኤል ወልደየሱስን ዝወሃብ ዘሎ መደብ፡ ዝበዝሕ ክፋሉ ንኣተኣላልያ ትሕቲ 16 ዓመት ንዝርከቡ ኣትለታትን ክቐስምዎ ዝግባእ መሰረታዊ ኣገባባት ስልጠና ውድድራት ኣትሌለቲክስን ዘተኮረ እዩ፣

ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ጋንታታት ሱፐር ዲቪዥን ኤ ዞባ ማእከል፡ ሰገን ኮንስትራክሽን ምስ ኣርባዕተ ኣስመራ 1ብ1 ክትፈላለ እንከላ፡ ዕዳጋ ሓሙስ ድማ ንኩባንያ ሰምበል 2ብ1 ስዒራታ፣ንቀዳማይ ፍርቂ ብዘይ ሸቶ ዛዘማኦ ሰገን

ኮንስትራክሽንን ኣርባዕተ ኣስመራን፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ጾመ ልጓም ሸቶ ክፈትሓ እየን ተራእየን፣ ኣርባዕተ ኣስመራ ኣብ መበል 46 ደቒቕ ብመገዲ ፊልሞን ሚኪኤል መሪሕነት እተትሕዛ ሸቶ እኳ እንተኣመዝገበት፡ መሪሕነታ ልዕሊ ዓሰርተ

ደቓይቕ ክኸይድ ኣይከኣለን፣ ኣብ መበል 55 ደቒቕ፡ ናይ መኣዝን ቅላዕ ዝረኸበት ሰገን ኮንስትራክሽን፡ ናቕፋ ተኽለ ዝቐልዓን ረዳእ ወልደሚካኤል ናብ ሸቶ ዝቐየራን ኵዕሶ ነቲውጽኢት ዘመዓራረየት ነበረት፣ዕዳጋ ሓሙስ ምስ ኩባንያ ሰምበል ኣብ

ዘካየደቶ ካልእ ግጥም፡ ቅድሚ ዕረፍቲ ሰምበል እያ ኣብ መበል 43 ደቒቕ ካብ ሜሎን በየነ ብዘቑጸረታ ሸቶ መሪሕነት ዝሓዘት፣ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ግና ዕዳጋ ሓሙስ

እያ ላዕለዋይ ኢድ ክትሕዝ ዝኸኣለት፣ ኣብ መበል 57 ደቒቕ ሜሮን ኣካለ ዘቑጸራ ሸቶ ድማ ንዕዳጋ ሓሙስ ዘመዓራረየት ሸቶ ኮነት፣ ድሕሪ ክልተ ደቒቕ ቅላዕ መቕጻዕቲ ዝረኸበት ዕዳጋ ሓሙስ፡ መድሃኔ ኣግሃደ

ዝቐልዓን ሓላዊ ልዳት ኩባንያ ሰምበል ጸጋይ ዘርእዝጊ ዝተፍኣን ፊልሞን ጥዑምእዝጊ ድማ መሊሱ ብምቕላዕ ሸቶ ዘቑጸራ ፍጻመ ንዕዳጋ ሓሙስ ምሉእ ነጥቢ ዘውሰደት ነበረት፣ኣብ መበል 90 ደቒቕ ተጻዋታይ ሰምበል

ሜሎን በየነ ኣብ ልዕሊ ተጻዋታይ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብርሃም ግርማይ ብዝፈጸሞ ከቢድ ማህሰይቲ (ክሳብ ኣብ ሆስፒታል ዝዕቆብ) ካብ ሜዳ ብቐይሕ ካርድ ተባሪሩ፣ኣብቲ ዕለት፡ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ

ንዘዋሪት ዋንጫ ካብ ዝገጠማ ኣብ ቀዳማይ ዲቪዥን እትርከብ ፓራዲዞን ናይ ካልኣይ ዲቪዥን ጎዳይፍን፡ ፓራዲዞ 7ብ2 ብገፊሕ ተዓዊታ፣

ለተብርሃን ወ/ኣረጋይ

ሞቕሽሽሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ካብ ኮፓ ኣመሪካ

ድሕሪ ምፍናዋ ብቐጥታ ናብ ምዝናይ ዘቕንዐ ሓድሽ ተጻዋታይ ክለብ ጁቬ - ዳኒ ኣልቨስ፡ ትማሊ ኣብ ሓደ ናይ መዘናግዒ ስፍራ ብባሊቃ ንዝተሓትመት ጥርሙዝ ቢራ ተገልቢጡ ብእግሩ (bicycle kick) ብምኽፋቱ (ከምቲ ኣብ ታሕተዋይ ስእሊ ዝረአ) ኣቓልቦ ረኺቡ፣

5ይ

መድረኽ

ቱር ደ ፍራንስትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ናይ ክለብ ቢኤምሲ ተቐዳዳማይ ቫን ኣቨርማርት ብ5 ሰዓትን 31 ደቒቕን 36 ካልኢትን ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ብምብጽሑን ንወናኒ ብ ጫማልያ ፒተር ሳጋን ንዝኣመሰሉ ናይ ውህሉል ግዜ ተቐዳደምቲ ነዊሕ ጋግ ብምንጻፉን ተዓዋቲ መድረኽን ውህሉል ግዜን ብምዃን ድርብ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ኣብቲ ካብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ መድረኻት

ዝሓሸ ናይ ዓቐብ ጸወታታት ዝተራእዮ እቲ ናይ ትማሊ መድረኽ፡ ናይ ሎቶ ሱዳል ደ ጀንት ብኽልተ ደቒቕን 34 ካልኢትን ድሒሩ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ራፋል ማካ ናይ

ቲንኮፍሳክሶ ድማ ካብታ ድሕሪ 5 ደቒቕን 4 ካልኢትን ኣብ መዛዝሚ ሕንጻጽ ምስ ዝበጽሐት ሳልሰይቲ ጉጅለ ቀዳማይ ብምዃኑ ሳልሳይ ኮይኑ፣ብወገን ዳይመንሽን ዳታ፡ ሰርጆ ፓውሊስ

ኣብ መንጎ ናይቲ ውድድር ዘርኣዮ ናይ ምምላቚ ፈተነ ዝጥቀስ ነይሩ፣ እቲ ተቐዳዳማይ ዋላ’ኳ ብሰንኪ መውደቕቲ ካብቲ መጥቃዕቲ እንተተጓናደበ ዝሓሸ ብቕዓት ከምዘርኣየ ይግምገም፣

ኣብቲ ፒተር ሳጋን ኣስታት 23 ደቓይቕ ዝኸሰረሉ መድረኽ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ድሕሪ 25 ደቒቕን 14 ካልኢትን መበል 112፥ ድሕሪ 28 ደቒቕን 34 ካልኢትን ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ዝበጽሐ ናትናኤል ብርሃነ ድማ መበል 187 ወጺኡ፣መበል 20 ዝጸንሐን ብናይ ትማሊ ዓወት

ብጫ ማልያ ክወዲ ዝኸኣለን ቫን ኣቨርማት፡ ብ25 ሰዓት 34 ደቒቕን 46 ካልኢት ነቲ ውድድር ይመርሖ ኣሎ፣ ኣላፊሊፕ ናይ

ኵስቴፕ ሓሙሽተ ደቕቕን 11 ካልኢትን ድሒሩ ካልኣይ፡ ኣሌክሳንደሮ ቫልቨርደ ናይ ሞቪ ስታር ድማ ብሓሙሽተ ደቒቕን 13 ካልኢትን ተበሊጹ ሳልሳይ ይርከብ፣ ሳጋን ድማ ብ23 ደቒቕን 37 ካልኢትን ብምድሓሩ ናብ መበል 76 ደረጃ ኣንቆልቊሉ፣ብነጥቢ፡ ሕጂ እውን ፔተር ሳጋን ይመርሕ

ኣሎ፣ ካቨንድሽ ድማ ይስዕቦ፣ ኣብ ውድድር ንጉስ ዓቕብ ቶማስ ደ ጀንት ብ13 ነጥቢ ይመርሕ፣ ሻዱሻይ መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ 2016

ሎሚ ብናይ 190 ኪሎሜተር ውድድር ክቕጽል እዩ፣

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 10 መበል 25 ዓመት ቁ.267

ደሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

ምልክታ ጨረታሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ከባቢ ምም/ፓራዲዞ ዝርከብ ትካል መፍረ ማናቲለን ሓሰማን ዝተፈላለየ

ዓቐን ዘለዎም ኣስታት 70 ሓባ ቀላሚጦሳት ብጨረታ ክሽየጥ ስለዝደለየ፡ ሕጋውያን ንግዲ ፍቓድ ዋኒን ዘለዎም ግዱሳት ተጫረቲ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግብኦም ረቛሒታት1. ነዚ ዝተጠቕሰ ገረብ ተጫረትቲ ባዕሉ ቆሪጹ ይርከቦ።2. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዋኒን ዘለዎ።3. መኽበሪ ጨረታ ናቕፋ 5000.00 ብ C.P.O (ቼክ ትሕጃ የትሕዙ)።4. ኣድላዪ ሓበሬታ ተጫረትቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚ/ሪ ሕርሻ ኣሃዱ ዕድግን ምምሕዳር

ንብረትን ቀሪቦም ክወስዱ ይኽእሉ።5. ጨረታ ኣብ ጋ/ሓ/ኤ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ን20 መዓልታት ክፉት ኮይኑ ቀጺላ ኣብ

ዘላ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዎ ይኽፈት።6. ሚ/ሪ ሕርሻ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ንምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኣድራሻ ሚ/ሪ ሕርሻ ቁ.ቴለ 181076

ኣስመራ

ምልክታ እዚ ምልክታ’ዚ ሳቺፍ ሓ.ዝ.ብ.ማሕበር ኣብ ናይ 12 ግንቦት 2016 ኣብ ዝገበሮ ዘይስሩዕ

ኣኼባኡ፦

1. ርእሰ ማሉ ካብ ናቕፋ 330,480.00 (ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን) ናብ ናቕፋ 3,407,391.60 (ሰለስተ ሚልዮንን ኣርባዕተ ሚእትን ሸውዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ሓደን 60%) ዓብዩ ኣሎ።2. ብመሰረት’ዚ ዝተገብረ ናይ ርእሰ ማል ወሰኽ ብርኪ ናይ ኣቶ ኪሮስ መለሊክ 1940

ብርኪ ብሕሳብ ዋጋ ሓደ ብርኪ ናቕፋ 1,670.29 (ሓደ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰብዓን 29%) ናቕፋ 3,340,362.60 (ሰለስተ ሚልዮንን ሰለስተ ሚእትን ኣርባዓን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሱሳን ክልተን 60%) ናይ ኣቶ ህዝባዊ ኪሮስ 100 ብርኪ ብሕሳብ ናቕፋ 1,670.29 (ሓደ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰብዓን 29%) ናቕፋ 167,029.00 (ሚእትን ሱሳን ሸውዓተን ሽሕን ዕስራን ትሽዓተን) ኮይኑ ኣሎ።3. ኣቶ ጸጋይ ተወልደን ብጾቱን ንዘይተወሰነ ግዜ ናይ ሳቺፍ ሓ.ዝ.ብ.ማሕበር ኦዲተራት

ኮይኖም ተመዚዞም ኣለዉ።

ሳቺፍ ኤርትራ ሓ.ዝ.ብ.ማሕበር

ምልክታ ጨረታቤ/ጽ ምም/ን/ዞባ መንደፈራ ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎ ጎማ መኪና፡ መሳርሒታት ጽሕፈት፡ ኣቑሑ

ህንጻ፡ ኣቑሑ ጽሬት፡ ኣቑሑ መስመር ማይ ኣጫሪቱ ክዕድግ ስለዝደለየ፡ እዚ ዝስዕብ ረቛሒ ዘማልኡ ተጫረትቲ ይዕድም።

1. ናይ 2015 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ብፎቶ ኮፒ የቕርብ።2. መጫረቲ ሰነድ ካብ ቤ/ጽሕፈትና (ክፍሊ ዕድጊ) ክውሰድ ይከኣል።3. ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ን10 ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልታት ክፉት

ይኸውን። ንጽባሒቱ ሰዓት 10:00 ቅ/ቀ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት።4. ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዝድለ ብቁ/ስ/ 611792/611257 ምውካስ ይከኣል።5. ምምሕዳርና ዝሓሸ ኣማሪጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብኸፊል ወይ ብምልኡ ናይ ምስራዝ

መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ቤ/ጽ ምም/ን/ዞባ መንደፈራ

ምልክታሓፍትና ወ/ሮ ኣስገደት ደባስ ዘወልዳይ፡

1. ኣብ ከባቢ ገጀረት ዚፕ 1A755 ጎደና ዳካናሞ ፕሎት 117 ቁጽሪ ፓርሰል ዞን ዞን ASP00000857 ፓርሰል D1 ኣብ ቤት ጽ/ካዳስተር መለለይ ቁጽሪ ንብረት 1፡004961 ዝተመዝገበ ንዓይ ንሓዋ ዮውሃንስ ደባስ ዘወልዳይ።2. ኣብ ን/ዞባ ሰምበል ዚፕ 1B1997 ፕሎት 165 ፓርሰል ASP00015642 -G- መለለይ

ገዛ ASD00040129 ኣብ ቤት ጽ/ካዳስተር ንሓፍታ ወ/ሮ እፍጠረላ ደባስ ዘወልዳይ።ብውህብቶ ዝሃበትና ናብ ስምና ከነሰጋግሮ ስለዝደለና፣ ተቓዋሚ እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ

30 መዓልቲ ሕጋዊ ናይ መአገዲ ትእዛዝ ንቤት ጽ/ፓብሊክ ኖታርን ንቤት ጽ/ካዳስተርን የቕርብ።

ዮውሃንስ ደባስ ዘወልዳይ

ምልክታ ንደለይቲ ስራሕክፍሊ ኣገልግሎት ማይን ረሳሕ ፈሳስን ኣንበብቲ ቆጸርቲ ማይ ስራሕተኛታት ክቆጽር ስለዝደለየ፡

ነዚ ኣብ ታሕቲ ረቋሒታት ዘማልኡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቁ.13 ክቐርቡ ንሕብር።

1. ዓይነት ስራሕ ----------- ኣንባቢ ቆጸርቲ ማይ2. ደረጃ ትምህርቲ --------- ካብ 9-12 ክፍሊ3. ናይ ስራሕ ግዜ ----------- ኮንትራት4. ብዝሒ --------------------- 10 ናይ ምዝገባ ግዜ እዚ ምልክታ ካብ ዝወጻሉ ግዜ ጀሚሩ ን10 ተኸታተልቲ መዓልታት

ይኸውን።

ክፍሊ ኣገልግሎት ማይን ረሳሕ ፈሳስን

ኢንዱስትሪ ዓለባ ኤርትራ ሓ.ዝ.ብ.ማ.ዓቢ ምጉዳል ዋጋ

ኢንዱስትሪ ዓለባ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ናብ ዒድ ኣልፈጥር ብሰላም ኣብጽሓኩም፡ ዒድ ሙባረክ እናበለ ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ካብ 2 ሓምለ 2016 ክሳብ 16 ሓምለ 2016 ዝጸንሕ ኣብ ኩሎም ፍርያት ትካልና ክሳብ 35% ዝበጽሕ ዓቢ ምጉዳል ዋጋ ከምዝገበርና ንክቡራትን ክቡራንን ዓማዊልና ነበስር።ንዓበይትን ንናእሽቱን፡ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኾኑ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ማልያታት፡ ሙታንቲ፡ ካምቻ፡ ስረ፡ ኣንሶላ፡ ኮፕረሌቶ፡ ኮምፕላስዮነ፡ ጋውን ወዘተ ኣብዘን ዝስዕባ ናይ መሸጣ ድኳናት ኣዳሊናልኩም ኣሎና።

ኣብ ኣስመራ፦ ኣብ ድኳን ትካልና ጎደና ተጋደልቲ ፊት እንዳኖራ

ኣብ መንደፈራ፦ ሩት ቡቲክ ጥቓ ጅራ ፍዮሪ

ኣብ ደቀምሓረ፦ ፎዝያ ቡቲክ ጥቃ ዕዳጋ

ኣብ ባጽዕ ሳባ ቡቲክ ጥቓ ኣማተረ

ካብ 2 ሓምለ 2016 ክሳብ 16 ሓምለ 2016 ካብ ሰዓት 08:00 ቅ/ቀ ክሳብ ሰዓት 07:00 ድ/ቀኩሎም ናይ መሸጢ ድኳናትና ክፉታት ኰይኖም ንዓማዊልና ከገልግሉ እዮም።

ኣድራሻና ፦ ጐደና ተጋደልቲ ፊት እንዳኖራ ተሌፎን 182967 / 186405 ኣስመራ

Abeba Hair Dressing Training Centerመሰልጠኒ ስነ-ጽባቐ ማእከል ኣበባ

ትካልና ንኹሉ ደላይ ትምህርቲ ስነ-ጽባቐ ብሙኩራት መማህራንን ብዓለም ለኻዊ መጻሕፍቲ ተሞርኲስና (Thoery and Practice) ስልጠና ንህብ።

እንህቦ ትምህርቲ፦ - መባእታዊ ትምህርቲ ስነ-ጽባቐ - ያታውን ዘመናውን ቁኖ- ኣነቓቕሻ (ምንቃሽ ንምህር) - ዝተፈላለዩ ዲዛይናት ኣፈሻሽላ- ናይ ኢድን እግርን ምጽብባቕ (Manicure and Padicure) እዝን ካልእን ንምህር።

ኣብ መወዳእታ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ቅቡል ዝኾነ ምስክር ሰርትፍኬት ንህብ ምዃንና ንሕብር።

ብልጫታትና ንመምሃሪ ምቹእ ዝኾነ ቦታ፡ ኢንተርናሽናል መወከሲ መጻሕፍቲ።ኣድራሻና፦ ከባቢ ማይ ጃሕጃሕ ፊት ላተርያ ላ ዶልቸቪታ ቁ.ቴለ 110418 /

07418647

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 11 መበል 25 ዓመት ቁ.267

ሓራጅኣብ መንጎ ብፍ/በ/መሰል ወረ/ነፍ ተወልደ ዓንዶም ኣልማዝ ወረደ ተወልደ +3 ብፍ/በ/

ዕዳ ወረ/ነፍ ዓንዶም ኮረሪ፡ ገነት ዓንዶም +7 ዘሎ ገዛ፡ 3 ክፍሊ ገዛ ዝሓዘ፡ 1 ህድሞ ዘላቶ ንወረስቲ ብማዕረ ክምቀል ስለዘይከኣለ ብሓራጅ ተሸይጡ ብገንዘብ ክምቀል ቤ/ፍ ስለዝኣዘዘ ፈ/ፍርዲ ኣብ ሓራጅ ኣውሪዱ ክሸይጥ ስለዝደለየ፡ ልብሬቶ ዘይብሉ ፕላን ዘይሓዘ ብኪኢላዊ ዓቕሚ 410,904.43 (ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእቲን ኣርባዕተን +43 %) ናቕፋ ስለዝተገመተ፡ ክወዳደር ዝደሊ ¼ ሲ.ፒ.ኦ ወይ መጠራቓሚ ናይ ባንክ ቡክ ብምትሓዝ ክወዳደር ይከኣል። ዝቃወም እንተሎ፡ ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍ መኣገዲ ትእዛዝ እንተዘይኣቕሪቡ መስርሕ ሓራጅ ኣየቋርጽን።

ሓበሬታ

1. ጨረታ ብስቱር ደብዳቤ ይቐርብ።2. ተጫረትቲ ሕጋዊ ወኪል ወይ ባዕሉ ምስ ዘይቀርብ ኣብ ጨረታ ኣይሳተፍን።3. ዝጫረት ዘሎ ገዛ ኣብ ዓዲ ተከሌዛን ከባቢ 02 ጥቓ ቤ/ፍ/ን/ዞ/ዓዲ ተከሌዛን ኮይኑ፡ ጨረታ

ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ቤ/ፍ/ዞ/ዓ/ከረን ቤ/ጽ/ፈ/ፍርዲ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ቤ/ጽ/ፈ/ፍርዲ ዞባ ዓንሰባ ከረን ብምቕራብ ምውሳድ ይከኣል።

ዕለት ጨረታ፦ 28/07/16ሰዓት ጨረታ፦ ካብ 9፡00 ቅ/ቀ - 10፡00 ቅ/ቀቦታ ጨረታ፦ ኣብ ከረን ቤ/ጽ/ፈ/ፍ/ዞ/ዓ/ከረን

ምልክታ ጨረታቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ኣብ

ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ ዝተሰባበሩ መምሃሪ ደስክታት (ሰደቓታት) ከጸግኖ ስለዝደለየ፡ ካብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ዓዲ ቐይሕ፡ ደቀምሓረ፡ ድባርዋ፡ ማይምነ፡ መንደፈራ፡ እምኒ ሓይሊ ዝተሰባበረ ሓጺን ብመኮኖኦም ናብቲ ዝጽግንሉ ቦታ ወሲዶም ኣልሒሞም ብጣውሎኦም ጸጊኖም ቦያ ክልተ ግዜ ለኽዮም ብመኪኖኦም ናብ ቦትኡ ዝመልሱ ግዱሳት ተጫረቲ ይዕድም።

1. ናይ 2016 ፍቓድ ንግዲ ዝተሓደሰ ይኸውን።2. መኽበሪ ጨረታ 25,000.00 ናቕፋ ትሕጃ የትሕዝ። ትሕጃ ከየትሓዘ ሰነድ ጨረታ

ኣይውሰድን።3. ጨረታ ክሳብ 08/08/2016 ክፉት ኮይኑ፡ ንጽባሒቱ ዕለት 09/08/2016 ሰዓት 9፡00

ቅ/ቀ ኣብ ቅድሚ ተወዳደርቲ ወይ ወከልቶም ዝተረኽብሉ ይኽፈት።4. መጫረቲ ሰነድን ዘድሊ ሓበሬታን ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ

ደቡብ ካብ ቁጽሪ 6 ይውሰድ።5. ቤት ጽሕፈትና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ፡ ጨረታ ብምልኡ ወይ ብኸፊል ናይ ምስራዝ

መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ መንደፈራ

ምልክታ“ማይ ጊፍ ብርካዊ ማሕበር’’ በዞም ዝስዕቡ ኣባላት ማሕበር ቆይሙ ኣሎ።

2. ስም ማሕበር “ማይ ጊፍ ብርካዊ ምሕበር” እዩ።3. ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ናይዚ ማሕበር ኣብ ዞባ ደቡብ ፍሉይ መጸውዒ ስሙ ኮርባርያ

ኮይኑ፡ ኣብ ኣድላይ እዋን ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ሃገር ጨንፈር ቤት ጽሕፈታት ክኸፍት ይኽእል።

4. ንግዳዊ ዕላማታት ማሕበር ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን።

1. መጥሓን እኽሊ 2. መሽጣ ሑጻን የጠቓልል።5. ርእ-ሰማል ማሕበር 250,000.00 (ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ናቕፋ) ኮይኑ፡ ናብ 500

ዝቑጸሩ ብርክታት ዝተመቕሉ እዮም። ዋጋ ሓደ ብርኪ 500.00 (ሓሙሽተ ሚእቲ ናቕፋ) ኮይኑ ኩሎም ብርክታት ብጥረ ገንዘብ ዝተኸፈሉ እዮም።6. ኣቶ በረኸት ወረደ ንዘይተወሰነ እዋን ከም ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ከገልግል ተሸይሙ

ኣሎ።7. እዚ ብርካዊ ማሕበር ንዘይተወሰነ እዋን ቆይሙ ኣሎ።

“ማይ ጊፍ ብርካዊ ማሕበር”

ቁ. ስም ዜግነት ኣድራሻ ብርኪ

1. በረኸት ወረደ ዘርኣይ ኤርትራዊ ኮርባርያ 100

2. ቦኽረጼን ተኽሉ ተስፋገርግሽ ኤርትራዊ ኮርባርያ 100

3. ወልዱ ገብረመስቀል ሃብተስላሴ ኤርትራዊ ኣስመራ 100

4. ተስፋይ ሰመረኣብ ዑቕባሚካኤል ኤርትራዊ ኣምሁር 100

5. ሃይለ ኣርኣያ ሓጎስ ኤርትራዊ ኣስመራ 100

500

ምልክታ ጨረታሬድ ሲ ቦትለርስ ሼር ካምፓኒ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንብረት ብጨረታ ክሸይጥ

ስለዝደለየ ግዱሳት ተጫረትቲ ይዕድም።

5. ጨረታ ዝኽፈተሉ ካብታ ጋዜጣ ዝወጸትላ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ሰዓት 10:00 ቅድሚ ቀትሪ ይኸውን።

6. ንመኽበሪ ጨረታ ዝምለስ 50,000.00 (ሓምሳ ሽሕ ናቕፋ) ትሕጃ ብCPO ከተምጽኡ ንሕብር።

7. ንብረት ዝለዓለሉ ግዜ ካብታ ጨረታ ዝተዓወተላ ዕለት ድሕሪ 3 መዓልቲ ይኸውን። ናብ ትካል ብምምጻእ ንብረት ክረአ ይከኣል።

8. ፋብሪካና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብምሉእ ኮነ ብኸፊል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሬድ ሲ ቦትለርስ ሼር ካምፓኒ (ኮካ-ኮላ)

ተ.ቁ. ዓይነት ንብረት

1. ፕላስቲክ መሸማዕ ናይ 50 ኪሎ

2. ፕላስቲክ ጀሪካን ናይ 20 ሊትሮ

3. ካርቶን ናይ ባሊቃ

4. ፓሌት (ጣውላ)

New Computer Courses From Dynamic Computer Center

Basic Computer SkillsPrinciples of AccountingPeachtree and Tally softwareSecretarial ScienceProgramming

Data Base with SQL Server VB.neto Web Programmingo

HTML 5CSSJava ScriptPHP and MYSQL

Computer Maintenance and NetworkingGraphics Video EditingVideo and Photography Shooting

…©öV`| L†‰F ‰oL ‰lkï N~ÔF¨ ÍmkUŠ a³V: µ©| ©}‰F cëÃöU ²š 34 cëÃöU oDíÐ} 202512 †£;

ሓዳስ ኤርትራ 7 ሓምለ 2016 - ገጽ 12 መበል 25 ዓመት ቁ.267

Sabur Printing Services

ተስፍኣለም የማነ

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ባቕዳድ - ርእሰ-ከተማ ዒራቕ ብዝተፈጸመ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምብ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 250 ከምዝበጽሐ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።እቲ መንግስቲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ

ሓበሬታ፡ ቁጽሪ ምውታት ብሰንበት 165 ከምዝነበረ፡ ግዳ ሓያለ ካብቶም ብኸቢድ ቆሲሎም ዝጸንሑ ግዳያት ድሒሮም ስለዝሰዓቡዎም፡ እቲ ቁጽሪ ክንህር ከምዝኻኣለ ኣመልኪቱ። እቲ ‘ሎሪ’ ኣብ ዝዓይነታ ተሽከርካሪት ተጻዊዱ ከምዝጸንሐ ዝተነግረሉ ቦምብ፡ ሓያለ ስድራ-ቤታት ንዒድ ኣልፈጥር ዝኸውን ኣስቤዛ ኣብ ዝሽምታሉ ዝነበራ ከባቢታት ናይ’ታ ከተማ’ዩ ተፈጺሙ።

ኣብ ናይጀርይ፡ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተጨውዩ ዝጸንሐ ሜጀር ጀነራል ነልሰን ዊሊያምስ ዝተባህለ ሰራልዮናዊ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ናጻ ከምዝተለቀ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ናይጀርያ ገሊጹ።እቲ ኣቐዲሙ ኣዛዚ ሰራዊት ሰራልዮን ዝነበረን

ኣብዚ እዋን ከኣ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሃገሩ ኣብ ናይጀርያ ኮይኑ ዘሎን በዓል-ስልጣን፡

ማሕበር ፈደረሽን ኩዕሶ-እግሪ ዓለም (ፊፋ)፡ ንመእተዊ ናይ’ቲ ኣብ 2018 ኣብ ከተማ ሞስኮ ዝእንገድ ውድድር ኩዕሶ-እግሪ ዋንጫ ዓለም ዝኸውን ትኬታት ከምዘዳለወን፡ ገለ ካብቲ ትኬታት ዋጋኡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዶላር ከምዝበጽሕን ሓቢሩ።ብመሰረት ሓበሬታኡ፡ እቲ ኣብ ናይ

ፍጻሜ ጸወታ ዝሽየጥ ትኬታ ዋጋኡ 1,100 ዶላር ክኸውን እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም እቲ ዝኸበረ ኮይኑ ክምዝገብ እዩ። ብራዚል ኣብ 2014 ኣብ ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም፡ ፊፋ ነቲ ናይ ፍጻሜ ጸወታ ኢሉ ዘዳለዎ ትኬት ብ990 ዶላር ሸይጡዎ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018፡ እቲ ዝተረፈ ትኬታት ብ455 ዶላር ከምኡ ድማ ብ710

ሓካይም ህንዲ፡ ብሰንኪ ሕማም - ኣፍንጫኡ ተበላሽያ ንዝጸንሐ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ፡ ኣብ ግንባሩ ሓዳስ ኣፍንጫ ኣብቊሎም ብመብጣሕቲ ክትክእሉ ብምኽኣሎም ኣቓልቦ ስሒቦም። ንሳቶም፡ ነቲ ብሰንኪ ሕማም ኒሞኒያ

ዳዕማስ ኣፍንጫ ሒዙ ዝጸንሐ ኣሩን ዝተባህለ ቆልዓ ኣብ ሆስፒታል ምስተቐበሉዎ፡ ፈለማ ‘ሲሊኮን’ ዝተባህለ ቲሹ ዘማዕብል ባእታ’ዮም ኣብ ግንባሩ ኣጥቢቖምሉ። ብድሕሪ’ዚ ነቲ ቲሹ ዝነፍሕ ቀመማዊ ባእታ ብመርፍእ ወጊአምዎ። ቀጺሎም ድማ ካብ ስጋ ኣፍ-ልቡ ቆርጠምጠማ ወሲዶም ኣብ ልዕሊኡ ተኺሎምሉ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ከኣ እቲ ቆርጠምጠማ ናብ ኣፍንጫ ማዕቢሉ። ኣብ

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ገዛኡ ንኣፍቃሪቱ ብምቕታሉ ናብ መጋባእያ ቤት-ፍርዲ ክመላለስ ዝጸንሐ ወዲ 29 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ስንኩል ኣትሌት፡ ንሽዱሽተ ዓመት ክእሰር ትማሊ ረቡዕ ብላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ’ታ ሃገር ተበይንሉ። እቲ ኦስካር ፒስተሪየስ ዝተባህለ ህቡብ

ኣትሌት፡ በቲ ተመስሪትሉ ዝጸንሐ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ’ዩ ንማእሰርቲ ዝፍረድ ዘሎ። ንሱ፡ በቲ ዝፈጸሞ ገበን ን15 ዓመት ክእሰር’ኳ ዝግባኦ እንተነበረ፡ “ሰራቒ መሲሉኒ’የ ብጌጋ ተኲሰላ” ብምባል ከቕርቦ ንዝጸንሐ ምጉትን ካልእ ምኽንያታትን ኣብ ግምት ብምእታው መቕጻዕቱ ከምእተመሓየሸሉ ዳኛ ናይ’ቲ ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ሓቢራ። ፒስተሪዮስ ድሕሪ’ቲ ብይን፡ ማእሰርቲ ንምጅማር ንስድራ-ቤቱ ሓቚፉ እናሰዓሞም ክፋነዎም ተራእዩ። እቲ ክልቲኡ መሓዉሩ ስንኩል (ቆራጽ) ዝኾነ ኣትሌት፡ ኣቐዲሙ ዝተበየነሉ ናይ ሓሙስተ ዓመት ማእሰርቲ ንምፍጻም ዓመት ኣብ ማሕቡስ ድሕሪ ምድጓኑ፡ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ናጻ ተለቒቑ ነይሩ። ንሱ፡ ብመገዲ ጠበቓኡ ኣቢሉ

ብሕጽረት መሰረታዊ ሃለኽቲ ዝተሸገራ ኣስታት 500 ቬነዝዌላውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ መግቢ ንምርካብ ዶብ ሰጊረን ንሓንቲ ናይ ኮሎምቢያ ቁሸት ከምዝወረራኣ ተገሊጹ።እተን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብቲ ዶብ

ንዝጸንሑወን ወተሃደራት ኣባላት ሓለዋ ዶብ ቬነዝዌላን ኮሎምቢያን ፈንጢሰን ናብ ኮሎምቢያ ድሕሪ ምስጋረን፡ ሒደት ሰዓታት ጸኒሐን ንመግቢ ዘገልግል ኣስቤዛ ጸይረን ተመሊሰን። ክምለሳ ከለዋ፡ ብዓውታ ሃገራዊ መዝሙር ቬነዝዌላ ይዝምራ ምንባረን ድማ እቲ ዜና የመልክት። መንግስቲ ቬነዝዌላ፡ እቲ ፍጻሜ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣመሪካን ሰዓብታን ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኣዊጀናኦ ዘለዋ ቁጠባዊ ኲናት ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ተቓወምቲ’ታ ሃገር ድማ እቲ ሕጽረት ናይ ሃለኽቲ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምሕደራ መንግስቲ ዝሰዓበ ምዃኑ ወቒሶም። መንግስቲ ኮሎምቢያ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ’ውን 400 ቬነዝዌላውያን ዶብ ሃገሩ ሰጊሮም

ናይጀርያ - ተጨውዩ ዝጸንሐ ሰራልዮናዊ ዲፕሎማሰኛ ተለቒቑ

ዶላር ክሽየጥ ምዃኑ እቲ ማሕበር ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ። እንተኾነ፡ ነበርቲ ሩስያ ዝኾኑ ተዓዘብቲ ግን እቲ ዋጋ ክንከየሎም ምዃኑ ወሲኹ ኣረዲኡ። ሩስያ፡ ነቲ ገዚፍ ትሩዚማዊ መኽሰብ

ክትግሕጠሉ ትጽቢት ኣሕዲራትሉ

ፊፋ ዋጋ ልዕሊ 1,000 ዶላር ቲኬት የዳሉ

ዘላ ኣህጉራዊ ውድድር ንምእንጋድ ከተዋድዶ ዝጸንሐት ትሕተ-ቅርጺታትን መሳለጥያታትን ኣብ ኣጋ ምጽፋፍ በጺሑ ከምዘሎ ይግለጽ።

ምንጪ - ቢ.ቢ.ሲ

ተመሳሳሊ ተግባር ፈጺሞም ከምዝነበሩ ድሕሪ ምምልካት፡ ብድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዓይነት ስራሕ ንኸይድገም ኣብ ዶብ ዝርከቡ ወተሃደራቱ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክወስዱ ምዃኖም ኣጠንቂቑ። ቬነዝዌላ፡ መግቢን ካልእ መሰረታዊ ሃለኽቲን ብገዚፍ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ካብ ደገ እናእተወት ንህዝባ ብድጎማ ከምእተከፋፍሎ’ዩ ዝሕበር። እንተኾነ 40 ሚእታዊት ካብቲ ብድጎማ ዝከፋፈል ከም ዘይቲ፡ ፊኖን ሩዝን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት ብኮንትሮባንድ ናብ ኮሎምቢያ ስለዝሰግር፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ናይ ቀረብ ሕጽረት ከጋጥም ጸኒሑን ኣሎን። መንግስቲ ቬነዝዌላ፡ “ጸላእትና ብቁጠባዊ ቅልውላው ኣቢሎም ንህዝብና ንምንዕዓብ ዝፍጸምዎ ዘለዉ ተግባራት’ዩ” ብምባል፡ ነቲ ምስ ኮሎምቢያ ዘዳውብ ዶባ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብጽኑዕ ዓጽዩዎ ይርከብ።

ምንጪ - ቢ.ቢ.ሲ

ሳዕቤን ቁጠባዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ቬነዝዌላ . . .

ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ይግባይ ምሕጽንታ’ዩ ብቤት-ፍርዲ ዳግመ-ግምት ተገይርሉ። ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ኦሎምፒክ ወርቂ መዳልያ ዝዓተረ ፒስተሪየስ፡ ነታ ሞዴሊስት ምንባራ ዝንገረላ ሪቫ ስቲንካምፕ ዝተባህለት

ኣትለት ፒስተሪየስ ሽዱሽተ ዓመት ይፍረድ

ኣፍቃሪቱ ኣብ መዓልቲ ፍቑራት’ዩ ግዳይ ገይሩዋ። ናብ ዓይኒ-ምድሪ ምስ ኣተወት ኣርባዕተ ግዜ ተኲሱ ህይወታ ከምዘሕለፋ ድማ ይግለጽ።

ምንጪ - ጋልፍ ኒውስ

ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ ድማ ምሉእ ሓላፍነት ወሲድሉ ኣሎ። እቲ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ’ውን ከቢድ

ዕንወት ኣውሪዱ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2003 ዝጀመረ ወራር ኣመሪካ - እቲ ዝለዓለ ሰብኣዊ መቕዘፍቲ ዘኸተለ ግብረ-ሽበራዊ ፍጻሜ ኮይኑ ምህላዉ ንኩነታት’ታ ሃገር ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት የረድኡ። ድሕሪ’ቲ ፍጻመ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር መሓመድ ቃባን ብወለንታኡ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ንሱ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ፡ “ጸጥታዊ ድሕነት ባቕዳድ ንምውሓስ ኣቐዲሙ ክወስዶ ዝግባኦ ዝነበረ ስጉምቲ ኣይወሰደን” ዝብል ወቐሳ ካብ

ሓያለ ወገናት’ታ ሃገር ክቐርበሉ ድሕሪ ምጽንሑ’ዩ። ግብረ-ሽብራዊ ጉጅለ ዳዕሽ፡ ኣብ

ዝሓለፈ ነሓሰ ናይ 2014 እውን ኣብ ዞባ ኒነቨ ብኣማኢት ንዝቑጸሩ ተወለድቲ ቀቢላ ‘ያዚዲ’ ቀቲሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ብዘይካ’ዚ፡ ብ12 ሰነ 2014 ኣብ መዓከር ሰራዊት ኣመሪካ ነበር ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 1,700 ተዓለምቲ፡ ብ19 ነሓሰ 2009 ኣብ ባቕዳድ 155 ሰባት፡ ብ14 ነሓሰ 2007 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዒራቕ ልዕሊ 500 ተወለድቲ ቀቢላ ያዚዲ፡ ብ23 ሕዳር 2006 ድማ ኣብ ሳድር-ሲቲ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝቐተለ ይዝከር።

ምንጪ - ቢ.ቢ.ሲ

ዒራቕ - ቁጽሪ ግዳያት መጥቃዕቲ ቦምብ 250 በጺሑ

ተወሳኺ

መወዳእታ ሓካይም ነቲ ኣብ ግንባሩ ዝበቖለ ሓድሽ ኣፍንጫ ብመብጣሕቲ ቆሪጾም ኣብ ቦታ ናይ’ታ ዝተዳዕመሰት ባህርያዊት ኣፍንጫኡ ኣጥቢቖማ። እቲ መስርሕ ጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ሓደ ዓመት ከምዝወሰደሎም ዝጠቐሱ እቶም ሓካይም፡ እቲ ቆልዓ ኣብዚ እዋን’ዚ በታ ሓዳስ ኣፍንጫኡ ንቡር ንጥፈታቱ ከካይድ ጀሚሩ ምህላዉ ኣረዲኦም። ኣብ 2013 እውን ሓካይም ቻይና ንሓደ

ብሓደጋ መኪና ኣፍንጫኡ ዝተዳዕመሰት ሰብኣይ ተመሳሳሊ ሕክምናዊ ጥበብ ተጠቒሞም ሓዳስ ኣፍንጫ ኣጥቢቖምሉ ከምዝነበሩ ኣይርሳዕን።

ምንጪ - ቢ.ቢ.ሲ

ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ ጽምብል ንምስታፍ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ከተማ ሌጎስ ናብ ዞባ ካዱና ብመኪና እናምርሐ እንከሎ’ዩ ተጨውዩ። ንሱ፡ ብመን ተጨውዩ ከምዝጸንሐን ብኸመይ ናጻ ከምዝተለቀን ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን። እቲ ጀነራል፡ ሰራሊዮን ኣብ 1961 ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ ኣብ መገሻኡ ዝጭወ ዘሎ ናይ ፈለማ ዲፕሎማሸኛ ከምዝኾነ’ዩ ዝሕበር። እቲ

ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ጭውያ፡ ንመንግስቲ ናይጀርያ ዓቢ ውርደት ኮይኑ ከምዝቐነየ ይግለጽ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይጀርያ፡ ብዙሓት

ዕጡቓት ጉጅለታት ገንዘባዊ መባድልቲ ንምርካብ ክብሉ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ተደጋጋሚ ናይ ጭውያ ተግባራት ከምዝፍጽሙ ጸብጻባት ዜና የመልክቱ።

ምንጪ - ቢ.ቢ.ሲ