ዕብየት ብትምህርቲ...

12
መበል 25 ዓመት ቁ.218 ረቡዕ 11 ግንቦት 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 9 ዘይተሰዓርነት ደንደን ዘኽተመሉ. . . ገጽ 3 “ክቱር ጭንቀት ስርዓት ደርግ፡ . . .” ገጽ 4 ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ ገጽ 8 ሊዮነል መሲ ገጽ 7 ኣመጻጽኣ ቱርካውያን ኣብ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብዝርጋሐኡን ቊጽሩን፡ ዕድላትን ተጠቃምነትን ትምህርቲ ንኹሉ ኣካል ሕብረተሰብ ዘረጋገጸን፡ ንመጻኢ ድልዱል ሰረት ዘውሓሰን ምዃኑ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ መሓመድ- ዓሊ ኢብራሂም ገሊጹ። ኣብ ፈለማ እዋን ናጽነት፡ ኣብ’ቲ ዞባ ምስ ብዙሕ ሕጽረታተን ኣብ ውሱናት ከተማታት ዝተደረታ 60 ኣብያተ- ትምህርቲ ጥራይ ምንባረን ዝጠቐሰ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ፣ ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት ናጽነት ብዝተገብረ ገዚፍ ወፍሪ፡ 62 ትካላት ቅድመ-ትምህርቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ 22 ዓመታት፡ ብመደብ ክረምታዊ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ኣብ ማይ ክዖታትን ጐደናታትን ካብ ዝተተኽሉ ፈልስታት እቶም 74 ሚእታዊት፣ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ዝተተኽሉ ድማ 95 ሚእታዊት ከምዝጸደቑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዳይረክተር ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ኣቶ ፍትዊ ወልደጊዮርጊስ ገሊጹ። ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣቶ ፍትዊ፡ በዚ - ተመሃሮ ብንእስነቶም ናይ ስራሕ መንፈስን ተጻዋርትን ብምጥራይ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ብወፋሮ ተመሃሮ ንልምዓት 22 ሚልዮን ፈልሲታት ተተኺሉ ንኸማዕብሉን ንኽሰርጾምን ኣብ 1994 ዝተበገሰ ሃገራዊ መደብ፡ 22 ሚልዮን ፈልሲታት ከምእተተኽለ፡ ከምኡ’ውን 14 ሽሕ ኪሎ ሜተር ቅናታዊ ዛላታትን 11 ሽሕ ኪሎ ሜተር ካናለታትን ዝርከቦ ትሕተ- ቅርጺ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምእተሰላሰለ ኣብሪሁ። ብጠቕላላ፡ ኣብ 19 ዙርያታት፡ 33 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 400 ሽሕ ተመሃሮን 20 ሽሕ ኣለይቲን ከምእተሳተፉ ድማ ኣረዲኡ። ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርቲ ስነ- ጸጋታት ባሕርና ኣብ ጥቕሚ ህዝብን ሃገርን ክውዕል ዝተኻየደ ጻዕርታት፡ መንጠሪ ባይታ መድሚዱ ከምዘሎ፡ ናብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ምህርቲ ንምብጻሕ ግን - ጌና ሓያል ጻዕሪ ከምዝሓትት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ልምዓት ዓሳ ኣምባሳደር ተወልደብርሃን ወልደሚካኤል ገሊጹ። ኣምባሳደር ተወልደብርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ናጽነት፡ መንግስቲ ንምሕደራ ባሕርን ምህርቱን ዝምልከቱ ኣዋጃት፡ መምርሒታትን ፖሊሲታትን ብምውጻእ፡ ሃብቲ ባሕሪ ብደረጃ ሚኒስትሪ ክመሓደር ቅርጺ ከምዘትሓዞን ሓያሎ ትሕተ-ቅርጺ ከምዝሃነጸን፡ እዚ ድማ ነቲ ካልእ ንጥፈታት መበገሲ ከምዝነበረ ኣብሪሁ። ኣብ ባጽዕ፡ ጢዖ፡ ዓሰብን ኣስመራን መራገፍን መመስርሕን ትሕተ-ቅርጺ ተሃኒጹ ግቡእ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ፡ ኣብ ገልዓሎ፡ ዕዲ፡ በርዓሶለን ኢራፋይለን ድማ መራገፊ ከምእተሰርሐ ዝጠቐሰኣምባሳደርተወልደብርሃን፡መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕን መገዲ ባጽዕ - ዓሰብን ነቲ መደባት ዝድርዕ ምዃኑ ሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ዓሳ ዘመላልሳ ዘበናውያን መካይንን ትካላት መፍረ በረድን ከምእተቐረባ፡ ዓሳ ከም መግቢ ንምዝውታር “ጸጋታት ባሕሪ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ባይታ ተመድሚዱ’ሎ” ሚ/ሃ/ባሕሪ ድማ ኣብ ከረን፡ መንደፈራ፡ ደቀምሓረን ባጽዕን ማእከላት መሸጣ ዓሳ ተሃኒጸን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከባ፡ ትካል ጥሑን ዓሳን መግቢ እንስሳን’ውን ተመስሪቱ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ንዝተገብረ ወፍሪ ብዝምልከት፡ ብኣዝዩ ትሑት ደረጃ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተጀሚሩ ንዝነበረ ትምህርቲ ንምዕባይ፡ ኣብ 2005 ኣብ ባጽዕ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ባሕሪን ከምእተኸፍተ፡ ዛጊት ድማ ልዕሊ 1300 ተመሃሮ ብዲግሪ፡ ዲፕሎማን ሰርቲፊኬትን ብምምራቕ ኣብ ስራሕ ከምዘዋፈረ ገሊጹ። ኣብ 1995 ዝተመስረተ ማእከል ስልጠና ስርሓት ዓሳ ሕርጊጎ’ውን፡ ፍልጠትን ደረጃን ልምዳውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክብ ንምባል፡ ከምኡ’ውን ንሓደስቲ ኣባላት ኣብ ስነ-ባሕሪ፡ ምምራሕ ጀላቡ፡ ኣመሰራርታን ምሕደራን ተራድኦታት፡ ኣጋፍፋ፡ ኣተሓሕዛን ምምስራሕን ብቕዓቱ ዝሓለወ ዓሳ፡ ዓይነትን ኣጠቓቕማን ናውቲ መግፈፊ ዓሳ፡ ጽገና ሞተረታትን ጀላቡን፡ ከምኡ’ውን ኣሰራርሓ ሰክዔትን ካልእን ዘተኰረ ስልጠናታት ብምሃብ እወታዊ ተራኡ ይጻወት ከምዘሎ፡ ብተወሳኺ ኣብሪሁ። ኪነት፡ ናብ ዝተፈላለያ ኣብያተ- ትምህርቲ ተዋፊሮም ልዕሊ 150 ሽሕ መዓጹ፡ ሰደቓታት፡ መሳዂትን ካልእን ከምዝጸገኑን፡ ብርክት ዝበላ ኣብያተ-ትምህርቲ ህንጻዊ ጽገና ከምእተገብረለንን እውን ኣቶ ፍትዊ ሓቢሩ። ወፋሮ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ብዘይካ ንጥፈታት ምግራብን ጽገና ናውቲ ትምህርትን፡ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ኣብ ምኽባር ሕጊታት ትራፊክ፡ ቈጸራ ህዝቢ፡ ምእካብ ግብሪ ተለብዥን፡ ምእካብ ሓጻውን መንገዲ ባቡር፡ ምዝርጋሕ መስመራት ኤሌትሪሲቲ፡ ምዂዓት መስመራት ማይ፡ ምጽፋፍ ሰነዳት ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ፡ ኣብ ምምዕራግ በዓል ናጽነት ከምዝነጠፉ’ውን ኣረዲኡ። ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ሓምላይ ክለባት ቈይሙ ቀጻሊ ስረሓት ምግራብን ምዕቃብን ንኽካየድ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ይደፍኣሉ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ፍትዊ፣ ተመሃሮ ኣብዚ መዳይ’ዚ ውጽኢታዊ ስራሕ ክሰርሑ ዘተባብዖም ከምዝደልዩ ኣስሚሩሉ። 252 መባእታ፡ 77 ማእከላይ፡ 17 ድማ ካልኣይ ደረጃ - ብድምር 408 ትካላት ትምህርቲ ተሃኒጸን ንጡፍ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ሓቢሩ። ብመጠን ዕቤትን ዝርጋሐን ትካላት ትምህርቲ ካብ 12 ሽሕ ዘይሓልፍ ዝነበረ ተሳታፍነት ተመሃሮ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ልዕሊ 120 ሽሕ ክዓቢ እንከሎ፡ ካብ ስሩዕ ትምህርቲ ወጻኢ ብመደብ ምጥፋእ መሃይምነት ድማ ኣስታት 260 ሽሕ ነበርቲ ተገልገልቲ ከምዝኾኑ ኣረዲኡ። ነተን ብፍላይ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ዘይተዘርጋሓለንን ብሰብኽ-ሳግማዊ መነባብሮ ዝጽለዋን ከባቢታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጋሽ-ባርካ - ኣገልግሎት ትምህርቲ ድልዱል ሰረት የውሕስ ኣብ ፎርቶ-ሳዋ፡ ጎኜን ኣቑርደትን ዝተደኰና ኣሕደርቲ ኣብያተ- ትምህርቲ፡ ኣብ ምምላእ ሃጓፋት ልዑል እጃም የበርክታ ከምዘለዋ’ውን ገሊጹ። ኣቶ መሓመድ-ዓሊ፡ ጎድኒ-ጎድኒ’ቲ መንግስቲ ናጻ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ንኽባጻሕ ዝገብሮ ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ፡ ነበርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብወገኖም ኣበርክቶኦም ብምዕዛዝ፡ ኣብ ምውሳኽን ምጽጋንን መምሃሪ ክፍልታት፡ ኣብ ምርግጋጽ ቀረብ ጸዓት ንናይ ኮምፕዩተር ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምድጋፍ መነባብሮ መማህራን ዓቢ ተራ ከምዝገበሩ ኣብሪሁ። ርብዒ ዘበን - ኣብ መኸተን ልምዓትን! ስ/ ኣካል መብራህቱ

Upload: others

Post on 06-Apr-2020

22 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

መበል 25 ዓመት ቁ.218 ረቡዕ 11 ግንቦት 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 9ዘይተሰዓርነት ደንደን ዘኽተመሉ. . .

ገጽ 3“ክቱር ጭንቀት ስርዓት

ደርግ፡ . . .”

ገጽ 4ዕብየት ብትምህርቲ

ይረጋገጽ

ገጽ 8ሊዮነል መሲ

ገጽ 7ኣመጻጽኣ ቱርካውያን

ኣብ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብዝርጋሐኡን ቊጽሩን፡ ዕድላትን ተጠቃምነትን ትምህርቲ ንኹሉ ኣካል ሕብረተሰብ ዘረጋገጸን፡ ንመጻኢ ድልዱል ሰረት ዘውሓሰን ምዃኑ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም ገሊጹ። ኣብ ፈለማ እዋን ናጽነት፡ ኣብ’ቲ ዞባ

ምስ ብዙሕ ሕጽረታተን ኣብ ውሱናት ከተማታት ዝተደረታ 60 ኣብያተ-ትምህርቲ ጥራይ ምንባረን ዝጠቐሰ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ፣ ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት ናጽነት ብዝተገብረ ገዚፍ ወፍሪ፡ 62 ትካላት ቅድመ-ትምህርቲ፡

ኣብ ዝሓለፈ 22 ዓመታት፡ ብመደብ ክረምታዊ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ኣብ

ማይ ክዖታትን ጐደናታትን ካብ ዝተተኽሉ ፈልስታት እቶም 74 ሚእታዊት፣ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ዝተተኽሉ ድማ 95 ሚእታዊት ከምዝጸደቑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዳይረክተር ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ኣቶ ፍትዊ ወልደጊዮርጊስ ገሊጹ።ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ

ሓበሬታ ኣቶ ፍትዊ፡ በዚ - ተመሃሮ ብንእስነቶም ናይ ስራሕ መንፈስን ተጻዋርትን

ብምጥራይ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ

ብወፋሮ ተመሃሮ ንልምዓት 22 ሚልዮን ፈልሲታት ተተኺሉንኸማዕብሉን ንኽሰርጾምን ኣብ 1994 ዝተበገሰ ሃገራዊ መደብ፡ 22 ሚልዮን ፈልሲታት ከምእተተኽለ፡ ከምኡ’ውን 14 ሽሕ ኪሎ ሜተር ቅናታዊ ዛላታትን 11 ሽሕ ኪሎ ሜተር ካናለታትን ዝርከቦ ትሕተ-ቅርጺ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምእተሰላሰለ ኣብሪሁ። ብጠቕላላ፡ ኣብ 19 ዙርያታት፡ 33

ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 400 ሽሕ ተመሃሮን 20 ሽሕ ኣለይቲን ከምእተሳተፉ ድማ ኣረዲኡ።ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርቲ ስነ-

ጸጋታት ባሕርና ኣብ ጥቕሚ ህዝብን ሃገርን ክውዕል ዝተኻየደ ጻዕርታት፡ መንጠሪ ባይታ መድሚዱ ከምዘሎ፡ ናብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ምህርቲ ንምብጻሕ ግን - ጌና ሓያል ጻዕሪ ከምዝሓትት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ልምዓት ዓሳ ኣምባሳደር ተወልደብርሃን ወልደሚካኤል ገሊጹ።ኣምባሳደር ተወልደብርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ

25 ዓመታት ናጽነት፡ መንግስቲ ንምሕደራ ባሕርን ምህርቱን ዝምልከቱ ኣዋጃት፡ መምርሒታትን ፖሊሲታትን ብምውጻእ፡ ሃብቲ ባሕሪ ብደረጃ ሚኒስትሪ ክመሓደር ቅርጺ ከምዘትሓዞን ሓያሎ ትሕተ-ቅርጺ ከምዝሃነጸን፡ እዚ ድማ ነቲ ካልእ ንጥፈታት መበገሲ ከምዝነበረ ኣብሪሁ።ኣብ ባጽዕ፡ ጢዖ፡ ዓሰብን ኣስመራን

መራገፍን መመስርሕን ትሕተ-ቅርጺ ተሃኒጹ ግቡእ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ፡ ኣብ ገልዓሎ፡ ዕዲ፡ በርዓሶለን ኢራፋይለን ድማ መራገፊ ከምእተሰርሐ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ተወልደብርሃን፡ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕን መገዲ ባጽዕ - ዓሰብን ነቲ መደባት ዝድርዕ ምዃኑ ሓቢሩ።ብዘይካ’ዚ፡ ዓሳ ዘመላልሳ ዘበናውያን

መካይንን ትካላት መፍረ በረድን ከምእተቐረባ፡ ዓሳ ከም መግቢ ንምዝውታር

“ጸጋታት ባሕሪ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ባይታ ተመድሚዱ’ሎ”

ሚ/ሃ/ባሕሪድማ ኣብ ከረን፡ መንደፈራ፡ ደቀምሓረን ባጽዕን ማእከላት መሸጣ ዓሳ ተሃኒጸን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከባ፡ ትካል ጥሑን ዓሳን መግቢ እንስሳን’ውን ተመስሪቱ ከምዘሎ ኣረዲኡ።ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ንዝተገብረ

ወፍሪ ብዝምልከት፡ ብኣዝዩ ትሑት ደረጃ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተጀሚሩ ንዝነበረ ትምህርቲ ንምዕባይ፡ ኣብ 2005 ኣብ ባጽዕ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ባሕሪን ከምእተኸፍተ፡ ዛጊት ድማ ልዕሊ 1300 ተመሃሮ ብዲግሪ፡ ዲፕሎማን ሰርቲፊኬትን ብምምራቕ ኣብ ስራሕ ከምዘዋፈረ ገሊጹ።ኣብ 1995 ዝተመስረተ ማእከል

ስልጠና ስርሓት ዓሳ ሕርጊጎ’ውን፡ ፍልጠትን ደረጃን ልምዳውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክብ ንምባል፡ ከምኡ’ውን ንሓደስቲ ኣባላት ኣብ ስነ-ባሕሪ፡ ምምራሕ ጀላቡ፡ ኣመሰራርታን ምሕደራን ተራድኦታት፡ ኣጋፍፋ፡ ኣተሓሕዛን ምምስራሕን ብቕዓቱ ዝሓለወ ዓሳ፡ ዓይነትን ኣጠቓቕማን ናውቲ መግፈፊ ዓሳ፡ ጽገና ሞተረታትን ጀላቡን፡ ከምኡ’ውን ኣሰራርሓ ሰክዔትን ካልእን ዘተኰረ ስልጠናታት ብምሃብ እወታዊ ተራኡ ይጻወት ከምዘሎ፡ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ኪነት፡ ናብ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዋፊሮም ልዕሊ 150 ሽሕ መዓጹ፡ ሰደቓታት፡ መሳዂትን ካልእን ከምዝጸገኑን፡ ብርክት ዝበላ ኣብያተ-ትምህርቲ ህንጻዊ ጽገና ከምእተገብረለንን እውን ኣቶ ፍትዊ ሓቢሩ።ወፋሮ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ብዘይካ

ንጥፈታት ምግራብን ጽገና ናውቲ ትምህርትን፡ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ኣብ ምኽባር ሕጊታት ትራፊክ፡ ቈጸራ ህዝቢ፡ ምእካብ ግብሪ ተለብዥን፡ ምእካብ ሓጻውን መንገዲ ባቡር፡

ምዝርጋሕ መስመራት ኤሌትሪሲቲ፡ ምዂዓት መስመራት ማይ፡ ምጽፋፍ ሰነዳት ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ፡ ኣብ ምምዕራግ በዓል ናጽነት ከምዝነጠፉ’ውን ኣረዲኡ።ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ሓምላይ

ክለባት ቈይሙ ቀጻሊ ስረሓት ምግራብን ምዕቃብን ንኽካየድ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ይደፍኣሉ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ፍትዊ፣ ተመሃሮ ኣብዚ መዳይ’ዚ ውጽኢታዊ ስራሕ ክሰርሑ ዘተባብዖም ከምዝደልዩ ኣስሚሩሉ።

252 መባእታ፡ 77 ማእከላይ፡ 17 ድማ ካልኣይ ደረጃ - ብድምር 408 ትካላት ትምህርቲ ተሃኒጸን ንጡፍ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ሓቢሩ። ብመጠን ዕቤትን ዝርጋሐን ትካላት

ትምህርቲ ካብ 12 ሽሕ ዘይሓልፍ ዝነበረ ተሳታፍነት ተመሃሮ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ልዕሊ 120 ሽሕ ክዓቢ እንከሎ፡ ካብ ስሩዕ ትምህርቲ ወጻኢ ብመደብ ምጥፋእ መሃይምነት ድማ ኣስታት 260 ሽሕ ነበርቲ ተገልገልቲ ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።ነተን ብፍላይ ናይ ማእከላይን

ካልኣይን ደረጃታት ዘይተዘርጋሓለንን ብሰብኽ-ሳግማዊ መነባብሮ ዝጽለዋን ከባቢታት ኣብ ግምት ብምእታው፡

ጋሽ-ባርካ - ኣገልግሎት ትምህርቲ ድልዱል ሰረት የውሕስ

ኣብ ፎርቶ-ሳዋ፡ ጎኜን ኣቑርደትን ዝተደኰና ኣሕደርቲ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ምምላእ ሃጓፋት ልዑል እጃም የበርክታ ከምዘለዋ’ውን ገሊጹ።ኣቶ መሓመድ-ዓሊ፡ ጎድኒ-ጎድኒ’ቲ

መንግስቲ ናጻ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ንኽባጻሕ ዝገብሮ ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ፡ ነበርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብወገኖም ኣበርክቶኦም ብምዕዛዝ፡ ኣብ ምውሳኽን ምጽጋንን መምሃሪ ክፍልታት፡ ኣብ ምርግጋጽ ቀረብ ጸዓት ንናይ ኮምፕዩተር ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምድጋፍ መነባብሮ መማህራን ዓቢ ተራ ከምዝገበሩ ኣብሪሁ።

ርብዒ ዘበን - ኣብ መኸተን ልምዓትን!ስ/ ኣካል መብራህቱ

Page 2: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 2መበል 25 ዓመት ቁ.218

መደባት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ 2016/ ብሩራዊ እዮቤልዩመደብ ዕለት ቦታ ግዜ

ድራማዊ ሙዚቃን (5 ደርፍታትን) 11-05-2016 ሲነማ ሮማ 07፡00 - 9፡30

ሰነዳዊ ፊልም ‘ገድሊ ብገድሊ’ 12-05-2016 ሲነማ ሮማ 07፡00 - 8፡30

ሰነዳዊ ፊልም ‘ቀለቤት’ 13-05-2016 ሲነማ ሮማ 07፡00 - 8፡30

ሰነዳዊ ፊልም ‘ኣብ ጎደና ካይዘር’ 14-05-2016 ሲነማ ሮማ 07፡00 - 8፡30

ምርኢት ማርሽን ባንድ 15-05-2016 07፡00 - 8፡30

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ ዋና ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 200454-07121322

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ሰላምን ቅሳነትን ዝዕቀብ፡ ሃገራዊ ሓድነትን ተሳትፎ ህዝቢን ዝረጋገጽ፡ ልምዓታዊ መደባት’ውን ውሑስን ቀጻልነት ዘለዎን ክኸውን ዝኽእል፣ ድልዱል ማሕበራዊ መሰረት ዘለዎ ሕብረተሰብ ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ዕላማታትን ትጽቢታትን ትግባረ ምጥፋእ መሃይምነት ትምህርቲ

ንዓበይቲ ካልእ ምስ ትምህርትን ስልጠናን ተኣሳሲሩ ክቐርብ ዝጸንሐ መግለጺታት ድማ ነዚ ዘረጋግጽ’ዩ። ኣድማዕነት ዜጋታት ክረጋገጽ፡ ህዝቢ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ይኹን ፖለቲካዊ ተሳትፎ እጃሙ ከበርክት እንተዀይኑ ወፍሪ ትምህርትን ስልጠናን የድሊ። ምኽንያቱ፡ ትምህርቲ እቲ እንኮ ንምዕባለ፡ ምዕሩይ ኣተሓሳስባን ተሳታፍነት ሕብረተሰብን ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ። ስለ ዝዀነ፡ ኤርትራ ምዕቡልን ስነ-ፍልጠታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎን ሕብረተሰብ ክህልዋ እንተዀይኑ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ እዋኑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡ ዜጋታት፡ ዕድል ትምህርቲ ንኽረኽቡ፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ዝሰርሓሉን ዝቃለሰሉን ዝነበረ ዕማም’ዩ። ብፍላይ እተን ፍርቂ ኣካል

ሕብረተሰብና ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰሪ ተጽዕኖን ሓላፍነት ምእላይ ስድራን ወጽዓ ጸኒሕወን’ዩ። ኣደ ምምሃር ማለት ሕብረተሰብ ምምሃር ማለት ስለ ዝዀነ ድማ፡ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ትምህርቲ ንዓበይቲ ካብ ዝበጋገስ ጀሚሩ፡ ብቐዳምነት ተጠቀምቲ ክዀና ቀንዲ ኣተኵሮ ዝተገበረሉ ንደቀንስትዮ’ዩ። ብሕልፊ ኣብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ገጠራትን ከባቢታትን ሃገርና ዝነብራ ደቀንስትዮ፡ ዕዙዝ ግዳሰ ተዋሂቡ ክስርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን።

መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ 2000 ካብ ዝእወጅን ሃገራዊ ወፍሪ ክግበረሉ ካብ ዝጅምርን ንደሓር፡ ሕብረተሰብና ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ክብ ክብል ክኢሉ’ዩ። ከም ኣብነት ኣብዛ ዝተጠቕሰት ዓመት፡ መሃይምነት ከጥፍኣ ናይ ዝተመዝገባ ደቀንስትዮ ቊጽሪ ልዕሊ 51 ሽሕ ነይሩ። ካብዚአን ንዝተዋህበን ትምህርቲ ምጥፋእ መሃይምነት ተኸታቲለን ኣብ መፈጸምታ ዝበጽሓ 35,438 ብሚእታዊት ድማ ኣስታት 69 ይዀና። ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበሩ ግዝያት ብመደብ ወፍሪ ትምህርቲ ንዓበይቲ መሃይመነት ከጥፍኣ ናይ ዝተመዝገባ ደቀንስትዮ ሃገርና ቊጽሪ 678,544 ከም ዝነበረን ካብዚአን 546,052 ምዝዛመን ሰነዳት እቲ መደብ የረድእ።ሃገራዊ ወፍሪ መደብ ምጥፋእ

መሃይምነት ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኽበጽሕ፡ ንዝሓለፎም መድረኻት ምግምጋም ንክፍሊ ትምህርቲ ካብ ዘገድስዎ ዕማማት ሓደ’ዩ። ሓፈሻውን ፍሉይን ዕላማታት፡ ዝርዝር ኣገባብ ትግባረ መደብ ንምግምጋም ብቕደም ተኸተል ዝስርሓሎም ካብ ዘለዉ ኣርእስታት ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣበይ ክበጽሕ እማመ ነይሩ? ኣበየ’ከ በጺሑ ኣሎ? ንዝተጉዓዞ መንገዲ ብኸመይ በጺሕዎን ክበጽሖን ክኢሉ? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ገምጋም ክግበረሉ ጸኒሑን ኣሎን። ኤርትራ፡ ኣብ ሜዳ ዝጀመረቶ መደብ

ወፍሪ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ብዝለዓለ ጀረጃ ክትቃለሶን ዛንታ ሕሉፍ ተመኵሮ ተወኪሳ ካብ ሱሩ ንምምሓዉ ዝተዓጠቐትሉን መደብ‘ዩ። ማዕረ ማዕረ’ቲ ወፍሪ ተሳታፍነት ዝምልከቶ ኣካል ክህሉ፡ ውሽጣዊ ዓቕሚ ሰባት ፈትሽካ ድኹም ጎድንታት ኣለሊኻ ንምሕያል ልዑል ግምት ተዋሂብዎ ክስርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን። ምውዳብን ምድላውን ብኣድማዕነት ብምትግባር፡ ትሕዝቶ (ካሪክለም) መደብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ሃገራዊ መንነትን ክብርታትን ዘሐይልን ዝዕቅብን ንክኸውን፡ ካበይ ተበጊሱ፡ ኣበይ በጺሑ ብቐጻሊ ክትትላትን ገምጋማትን እናተገብረሉ ዝቕጽል ዘሎ መደብ’ዩ። ወፍሪ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ኣብ

ውሽጢ ናይ ናጽነት ዓመታት ብዝተወደበን ዘይተወደበን ኣገባባት ክስርሓሉ ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ጨንፈር ምውጣንን ምምዕባልን ካሪክለም ንዓበይቲ ኣቶ ትኳቦ ኣይሙት፡ “ንዝሓለፉ መድረኻት ንድሕሪት ተመሊስካ ዘመዝገቦ ዓወት ምግምጋም ጥራይ ዘይኰነ፡ ዘጋጥምዎ ዝነበሩ ብድሆታት ምልላይን ምቕላብን’ውን ኣገዳሲ እዩ። ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት፡ መንግስቲ ንምጥፋእ መሃይምነት ከም ሃገራዊ ወፍሪ ጠሚቱ ዓመታዊ ባጀት ክስልዓሉ ስለ ዝኸኣለ፣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብግዲኡ ስሩዕን ብቑዕን ካሪክለም ኣዳልዩ ኣብ ተግባር ከውዕሎ ብምኽኣሉ፣ ተራ ኣማሓደርቲ፡ ግዱሳት ወገናትን ሃገራውያን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ማዕከናት ዜና ሃገርና ቀጻልን ብዝተወደበ መንገዲን ዓቲበን ከቃልሐኦ ብምኽኣለን’ዩ ተዓዊቱ፡’’ ብምባል ይጠቅስ። ኣቶ ትኳቦ ኣስዒቡ፡ ካልኦት ኣብ ምዕዋት’ቲ መደብ ተራ ነይርዎም ተባሂሎም ዝግለጹ፡ ንጹር ሕንጻጽን መምርሒን፣ እኹል ናውቲ መምሃሪ ናይ ኩለን ብሄራት፣ ካብ ዞባ ክሳብ ንኡስ ዞባ ነቲ መደብ ዝከታተሉ ምዱባትን

ብኹንትራት ተቘጺሮም ዝሰርሑ መምህራንን ቀወምቲ ሰራሕተኛታትን፣ ድሌትን ተገዳስነት ህዝብናን ኣብ ትምህርቲ ከኣ ብቐንዱ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣብ ምዕዋት’ቲ መደብ ምንባሮም ይገልጽ። መደብ ምጥፋእ መሃይምነት

ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ኣብ ርእሲ’ዞም ዝተጠቕሱ ሜላታት፡ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ ኣተሓሕዛ’ውን ጸኒሕዎ’ዩ። ኣብ መላእ ሃገር ዘለዋ ዓድታት፡ ነቲ መደብ ዝተዓወታሉን ዘሰክፍ ዘይብለንን ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዓ ብዓል መን እየን? ጀሚረን ዘይወድኣ ምጽፋፍ ዘድልየንከ ኣየኖት’የን? ብስሩዕ ይኹን ብመደብ ቤት ትምህርቲ ምጥፋእ መሃይምነት ክኽፈተለን ዕድል ዘይረኸባ ዓድታት እንተልየን ብዓል መን’የን? ዝብሉ መምዘኒታት ከም ኣገዳሲ ረቛሒ ተጠቒሙ ኣብ ሰለስተ ደረጃ መቒሉ ክርእዮ ጸኒሑን ኣሎን። ዝተረኽበ ውጽኢት ብደረጃ ዓድን ምምሕዳር

ከባቢ፡ ዞባን ንኡስ ዞባን ብምልላይ፡ ምስ ምምሕዳራትን ዝምልከቶም ኣካላትን ምትሕብባር እናተገብረ፡ ውጹዓት ተባሂለን ኣብ ዝተለልያ ዓድታት፡ ዝርግሐን ትግባረ’ቲ መደብ ንምስፋሕ ዝሕግዙ መሳለጥያታትን ንትምህርቲ ዘገልግሉ መጻሕፍቲን ካልእን ኣዳልዩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ኣብ ዓለም ምስ ንቕሓት

ሕበረተሰብ ተኣሳሲሩ ዝግለጽ፡ ትምሃር ዘላ ከተማ (Learning City) ዝብል ኣምር ኣሎ። እዚ ሓንቲ ከተማ ብገዛእ ርእሳ ኣብ ትምህርቲ ብእትኽተሎ ኣገባብ ንቑሕ ነባሪ (ተቐማጢ) ከም ዝህልዋ ዝገብር’ዩ። ኣብ ሃገርና ነዚ ኣምር ብግብሪ ከተረጋግጽ ከም ዝኸኣለት ዝንገረላ ቦታ፡ ሓውሲ ከተማ ኣፍዓበት እያ። ኣብዛ ሓውሲ ከተማ እዚኣ ዝነብሩ ዜጋታት ብመደብ ምጥፋእ መሃይምነት ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምምሃሮም፡ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ክማሃሩ ጠሊቦም። ኣብ ከባቢኦም ምስ ዝምህሩ መምህራን ተረዳዲኦም ድማ ባዕሎም ብዘበገስዎ፡ ትምህርቲ

ቋንቋ እንግሊዝ ወሲዶም ኣብ ዓወት ከም ዘብጽሕዎ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም ተረጋጊጹ። ካብ መንጎኦም ትምህርቲ ናይ ምቕጻል ዕድል ረኺቦም 12 ክፍሊ በጺሖም ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ተቘጺሮም ዝሰርሑ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ምህላዎም’ውን ተፈሊጡ። ከም መርኣያ ናይዚ ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ተሳቲፋ ዝተማህረት ኣደ፡ ናይ ምቕጻል ዕድል ረኺባ ክትሓርስ ሕክምና ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቂቒ ፈተና (ማትሪክ) ኣብ ሕክምና ኰይና ከም ዝተፈተነት ኣብ ማዕከናት ዜናና ተገሊጹ ነይሩ’ዩ። ኣብ ገለብ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ

ዓመት፡ ኣብ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ተሳቲፎም ሳልሳይ ዓመት ወዲኦም ምንባብን ምጽሓፍን ኣብ ዘድሊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ዜጋታት እንተለዉ ንምፍላጥ ዳህሳስ ተኻይዱ ነይሩ። ልዕሊ 400

ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽዓንዶም ግርማይ (ወዲ-ደረስ) መሃይምነት ዘጥፍኡ ዜጋታት ድማ፡ ኣብ

ዝተፈላለየ ንጥፈታት ንኡሳን ዞባታትን ናይ ውልቂ ትካላትን ተቘጺሮም ዝሰርሑ ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እዚ ናይ ኣፍዓበትን ገለብን ከም ኣብነት

ተወሲዱ’ምበር፡ ተመሳሳሊ ዓወት ኣብ ብዙሓት ዓድታትን ዜጋታትን ምህላዉ ገምጋም ኣሎ። መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ትምህርቲ

ንዓበይቲ፡ ኣብ ብዙሓት ምምሕዳራት ከባቢታት፡ ዓድታትን ኮማዊ ኣብያተ ፍርዲን ዘገልግሉ ምጽሓፍን ምንባብን ዝመለኹ ሰባት ከም ዘፍረየ ኣቶ ትኳቦ የረጋግጽ። ብመሰረት ኣብ ዓመተ 2000

ዝተሓንጸጸ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ኣብ ምዝዛም 2015፡ 85 ሚእታዊት ካብ ህዝብና ምጽሓፍን ምንባብን ክኽእል ኣለዎ ዝብል’ዩ ነይሩ። ነቲ ዝተወጠነ መደብ መተግበሪ ድማ፡ ንመዐደጊ መምሃሪ መጻሕፍቲ ጥራይ ኣስታት 600 ሽሕ ናቕፋ ወጻኢታት ተገይሩ። ተጨባጢ ኣሃዝ ንምርካብ መስርሕ መጽናዕቲ ክግበር መደብ ወጺኡ እንተሎ’ኳ፡ ብገምጋም ካብ 80 ክሳብ 81 ሚእታዊት ካብ ህዝብና መሃይምነት ኣጥፊኡ ዝብል ተስፋ ተነቢሩ ከም ዘሎ ኣቶ ትኳቦ ይሕብር። ኣብ መጻኢ ዝተታሕዙ መደባት፡

መሃይምነት ዘጥፍኡ ዜጋታት ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ከይርስዑ ምእንቲ ካብ ዓዶም ከይረሓቑ ዘለዎም ደረጃ ትምህርቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብንባብ ክብ ዘብልሉ ዕድል ንምፍጣር፡ ኣብ ዓድታት ኮማዊ ኣብያተ ንባብ ምኽፋት ከም ስትራተጂ ተታሒዙ ኣሎ።ብደረጃ ዓለም ዝስርሓሉ ዘሎ ዕማም፡ ካብ

2015 ክሳብ 2030 ኣብ ዘለዉ ዓመታት መሃይምነት ካብ ገጽ ዓለም ነበረ’ያ ነበረ ንምግባሩ’ዩ። እዚ ውጥን እዚ ምሉእ ብምሉእ እንተተዓዊቱ፡ መሃይምነት ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፍኡ ዝረጋገጸላ ዓመት 2030 ክትከውን’ያ። ኤርትራ’ውን ነዚ ቃልሲ ኣቐዲማ ጀሚራቶ ብምጽንሓን ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ በጺሓ ብምህላዋን፡ ኣብዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ዓመታት፡ መሃይምነት ከም ሕቶ ንኸይለዓል ኣበርቲዓ ትሰርሕ ምህላዋ ኣቶ ትኳቦ ኣይሙት ይገልጽ።

2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ወ/ሮ መርየም መሓመድስዒድ

ኣቶ ትኳቦ ኣይሙት

Page 3: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 3መበል 25 ዓመት ቁ.218

ናይ መወዳእታ ውግእ ኣንጻር መግዛእቲ፡ ስልቲ ውግእ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝፈጠሮ ውጽኢት እዩ ነይሩ። ስልትታት ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ምስ ጸብለልትነት ዓቕሚ ሰብን ኣጽዋርን ሰራዊት ጸላኢን ነፍሲ-ወከፍ ውግእ ዝፈጠሮ እዋናዊ ኩነትን፡ ክምክተሉን ክዕወተሉን ብዝኽእል መንገዲ ቅልጡፍ ለውጢን ምምሕያሽን እናኣርኣየ ክሳብ ናጽነት በጺሑ። ጽንዓት ኣብ ዕላማ፡ ትብዓት. . . ከኣ፡ ንኹላቶም ስልትታት ኣብ ምትግባር ድርዒ ኰይኖም ክሳብ ናጽነት ኣብጺሖም። ቅድሚ ናጽነት እውን ንዓወት ህዝባዊ ግንባር ዝእምቱ ሓያሎ ስርሒታት ብዓወት ተዛዚሞም እዮም። ምፍሻል ተኸታተልቲ ወራራት ብፍላይ ድማ ሻድሻይ ወራር፡ ስርሒት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ናይ

ደባይ ስርሒታት ድሕሪ መስመር፡ መጥቃዕቲ ጸጋማይ ግንባር ናቕፋ. . . ካብ’ቶም ናይ ገዛእ-ርእሶም ስምብራት ሓዲጎም ዝሓለፉ ሓያሎ ስርሒታት እዮም። ስርሒት ምድምሳስ “ናደው እዝ”፡ ድምር ኩሉ ስዕረታትን ጽንዓት ተጋዳላይን ብፍላይ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዘጉለሐ ክኸውን ከሎ፡ ስርሒት ፈንቅል ከኣ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዘጽንሕዎ ግምት ዝተዛብዐ ምዃኑ ዝሓበረ ነበረ። ዝቕጽል ትሕዝቶ ብኣውራኡ ንቓለ-መሕትት ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ምርኩስ ዝገበረ’ዩ። “ህዝባዊ ሰራዊት፡ ብፍላይ ድሕሪ ስርሒት

ናደው ኣመና እዩ ሓይሉ። እቲ ብቕዓት ዝነበሮ ቀዳማይ ደረጃ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ዝበዝሐ ኣጽዋሩ፡ ዝተሃደመ ዕርድታትን ብፈንጂ ዝተሓጽረ መሬትን ኣብ ግንባር ሳሕል እዩ ነይሩ። ብቐሊሉ ኣብ ዘይሕኮሩ ስትራተጂካዊ ቦታታት እዩ ዓሪዱ። ህዝባዊ ሰራዊት ናደው ኣብ ዝደምሰሰሉ እዋን፡ ፈንጂታት ሰጊሩ ነቲ ውግእ ካብ መሬት ኩዒቱ እዩ ኣውጺኡዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣስታት 60 ኪሎ ሜተር ንውሓት ንዝነበሮ ቀዳማይን ካልኣይን መከላኸሊ መስመር ጸላኢ በታቲኑ፡ ንጸላኢ ደምሲሱ ክወጽእ ከሎ፡ ብኹሉ መዳይ ብቕዓቱ ዘረጋገጸሉን ዘበረኸሉን ተመኩሮ ሒዙ እዩ ወጺኡ። ኣብ ናደው ኣብ ተንቃሳቓሲ ኲናት ሓያል ብቕዓት ኣደልዲሉ። ስርሒት ናደው፡ ናይ ጎላጉልን

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

“ክቱር ጭንቀት ስርዓት ደርግ፡ ካብ ግንባር ጊንዳዕ እዩ ጀሚሩ!”

ጀነራል ስብሓት ኤፍረም

ናይ ታንኪን ተመኩሮታቱ ስለ ዘዕበዮ፡ ንስርሒት ፈንቅል ኣብ ዝለዓለ ብቕዓት ኣብ ዝበጽሓሉ ደረጃ እዩ ፈጺሙዎ። ናይ ሳሕል ከበባ፡ ብስርሒት ናደው ተሰቢሩ፡ ብስርሒት ንፈንቅል ግን ተበታቲኑ እዩ። ከም’ቲ ናይ ሳሕል ፊት ንፊት ተፋጢጥካ ምግጣም ተሪፉ፣ መልክዕን ባህሪን ውግእ ከም ዝቕየር ገይሩዎ። ብዝወሓደ ሰራዊትን ኣጽዋርን፡ ዓቢ ስራሕ ናይ ምስራሕ ስልቲ ወኒኑ። ጸላኢ ከኣ፡ ባህሪ ውግእ ምስ ተቐየረ ተደናጊሩ።” ጀነራል ስብሓት ኤፍረምምፍሻል ናይ ሓያሎ ተረርቲ ወራራትን

ናይ ኣስታት 10 ዓመታት ምርብራብን ስዒቡ ዝተኸስተ ምድምሳስ እዚ ናደው፡ ንሰፊሕ መጥቃዕትታት ህዝባዊ ሰራዊት መንገዲ ከፊቱ። ዋላ’ኳ ሰራዊት ጸላኢ

ኣፍዓበት ንኽመልስ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ፈጺሙ እንተነበረ፡ እንትርፎ ሰራዊቱ ክረግፍን ክማረኽን ፋይዳ ኣይረኸበን። ዘይከም እዋን ምዝላቕን ድሕሪኡ ዝሰዓቡ በዳህቲ ኩነታትን፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣጥቂዑ ኣብ ዝደለዮ ቦታ ከም ዝበጽሕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓወታቱ ናይ ምዕቃብ ልዑል ዓቕሚ ከም ዝወነነ እውን ኣንጸባሪቑ። ስለ ዝዀነ’ዩ ከኣ፡ ብርእሰ እምነት ናብ ባጽዕ ዘቋመተ። “ስርሒት ፈንቅል፡ ድሕሪ ምድምሳስ እዚ

ናደው፡ ዓቢ ስምብራት ዝገደፈ ስርሒት እዩ። ኣድህቦ ጸላኢ ናብ ባጽዕን ከባቢኡን ዘይሩ። ባጽዕ - ብደሴታት ዝቘመ፡ ኣጻምእ ዘለዎ፡ ዝበዝሐ ቦታታት ጎላጉል ብምዃኑን ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ጎልጎል ናይ ሜካናይዝድ ውግእ ምትእምማን ስለ ዝነበሮምን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ባጽዕ ኣድማዒ ስርሒት ክፍጽም ይኽእል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮምን። ድሕሪ ምትሓዝ ባጽዕ፡ ስርዓት ደርግ፡ ዝዓበየ

ሓይሉ ባጽዕ ንኽመልስ እዩ ኣሰሊፉዎ። ኣብ ግንባር ጊንዳዕ፡ ሓያሎ ውግኣት ተኻይዶም እንተ ዀኑ’ኳ፡ ብፍላይ ካብ ፈለማ መጋቢት 1990 ክሳብ ፈለማ ግንቦት 1990 ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዝተኻየደ ምርብራብ፡ ኣዝዩ ከቢድን ደማዊን እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ስርዓት ደርግ፡ መስመር ኣስመራ-ባጽዕ ንምኽፋትን ወደብ ምጽዋዕ ንምቁጽጻርን ብዝለዓለ ናህሩ ዝፈነዎ ጸረ-

መጥቃዕትታት ንምምካት፡ ህዝባዊ ሰራዊት ሓያል ተጻዋርነት ዝተሓተተሉን ከቢድ መስዋእቲን መውጋእቲን ዝኸፈለሉን እዩ። ብዓቢኡ ድማ ካብ መጥቃዕቲ ኣብ ናይ ምክልኻል ኲናት ዝተጸምደሉ።“ኣብ ስርሒት ፈንቅል፡ ገጂፍን ምኩርን

ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብጀላቡ ተሳዒሩ፡ ሓይሊ ኣየር ኣድማዒ ደብዳብ ክገብር ኣይከኣለን፡ ልዕሊ ቁጽሪ ተጋደልቲ ዝዀነ ሰራዊት፡ ጽኑዕ ዕርዲ ኣደላዲሉ ከብቅዕ፡ ንዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ንዝተወሰነ እዋን’ኳ ክከላኸል ኣይከኣለን። ወተሃደራቱ ጥራይ ዘይኰኑ፡ ጀነራላቱ ከይተረፉ እዮም ተማሪኾም። ህዝባዊ ግንባር፡ ብናይ ስልኳ ስልቲ፡ መትኒ ናይ’ቲ ግንባር ዝዀነ መምርያ ብምህራም፡ ነቲ ኣብ ሰፊሕ ግንባር ዝተዘርግሐ ሰራዊት፡ ዘመሓድሮን ዝእዝዞን ከም ዘይህሉ ብምግባር፡ በታቲኑ ደምሲሱዎ። ብሓፈሻ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኹሉ ምሉ፡ ካብ ብቕዓት ውግእ ህዝባዊ ግንባር ንድሕሪት እዩ ተሪፉ።” ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ፡

ደንጎሎ ላዕላይን ከባቢ ጊንዳዕን ተቖጻጺሩ ናብ ጊንዳዕ ኣብ ዝገስገስሉ፡ ጸላኢ፡ ከም

ጋሕያትን ሓመልማልን ኣብ ዝኣመሰሉ ናብ ጊንዳዕ ዘገምግሙ ገዛእቲ ቦታታት ዓሪዱ፡ ክፍለ-ሰራዊት 85፡ ክፍለ-ሰራዊት 61 ከምኡ’ውን ሜካናይዝድ ኣሃዱታትን፡ ጋሕያትን ሓመልማልን ንምቁጽጻር ዘካየዱዎ ውግእ፡ ሓይልታቱ ደራሪቡ ናይ ሓይለቦኡ ስለ ዝተኸላኸለ፡ ግስጋሰ ህ.ሰ. ኣብ’ቲ ክሳብ ናጽነት ዝጸንሓሉ ዕርድታት ግንባር ጊንዳዕ እዩ ተሓጺሩ። በዚ ጥራይ እውን ኣይተደረተን። ደርግ፡ ሃሙን ቀልቡን ናብ ባጽዕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ “የምጽዋ ዘመቻ” ኢሉ ብዝሰመዮ ናይ መጥቃዕቲ ወፍሪ፡ መጠነ- ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምስ ፈነወ፡ ክሳብ ናህሩ ዝውድእ ምክልኻል ግድነት ነበረ።

ህዝባዊ ሰራዊት፡ መጥቃዕቲ ምስ ፈነወን ከባቢ ደንጎሎ ላዕላይ ምስ በጽሐን፡ ስርዓት ደርግ፡ ካብ ከባቢ ኣስመራን ግንባር ከረንን፡ ልዕሊ 8 ኣጋርን ሜካናይዝድን ብርጌዳት ብህጹጽ ናብ ግንባር ጊንዳዕ ኣውሪዱዎም። ኩላቶም ኣሃዱታት እናተበራረዩ ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ፡ ጽርግያ ኣስመራ-ባጽዕ ክኸፍቱ ይኹን ባጽዕ ክቆጻጸሩ ኣየኽኣሎምን። ቀጺሉ’ውን፡ ሜካናይዝድ ዝርከቦም ኣስታት ኣርባዕተ ክፍለ-ጦራት ናብ ግንባር ጊንዳዕ ደሪቡዎም። ለይቲን መዓልቲን ትንፋስ ዘይህብ መጥቃዕቲ፡ ዕረፍቲ ዘይብሉ ተኹሲ ከበድቲ ኣጽዋር፡ ደብዳብ ነፈርቲ ውግእ፡ ናብ ባጽዕ ሓደ ስጉሚ ክቕጽል ኣየኽኣሎን። ጽዑቕ መጥቃዕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ሰራዊ መከላኸሊ ዕርድታት ኣብ ዘይሃነጸሉ ግዜ ብምንባሩ፡ ንጽኑዕ ዕርዲ ብዝትክእ ጽንዓት ክከላኸል እዩ መሪጹ። ኣብ ርእሲ’ዚ እውን፡ ሰራዊት ጸላኢ ኣብ ገዛእቲ ዝዀኑ ቦታታት ብምንባሩ፡ ብዝሒ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣሰሊፉ ከም ዝዕወት እምነት ነበሮ። ስለ ዝዀነ እዩ ድማ፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓይልታቱ፡ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 2 ኣጋር ክፍለጦራትን 6 ኮማንዶ ብርጌዳትን ናብ ኤርትራ ዘግዓዘ። ካብ ክፍሊ ታዕሊም እውን ዓሰርተ ሽሕ ዝኸውን ሰራዊት ብምምጻእ ኣሃዱታቱ ኣደላዲሉ። “ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ

ሰርሒት ፈንቅል ናብ ባጽዕ ናይ ምምላስ ተኽእሎ ከም ዘለዎም ተስፋ ነይሩዎም። ሎሚ እንተ ዘይተኻእለ ጽባሕ ከም ዝከኣል ተስፋ ሒዞም እዮም በብእዋኑ መጥቃዕቲ እናፈነዉ ኣብ ሓያል ብርብራብ ዝተሸመሙ። ደርግ፡ ኣጽዋር እናሸመተን በብግዜኡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ሰብ እናዓለመን፡ ገለ ውጽኢት ክረክብ ትጽቢት ነይሩዎ። ነቲ ካብ ግንባር

ሓልሓል ክሳብ ዓዲሮሶን ክኒኡን ዝተዘርገሐ ተጋዳላይ፡ ዋሕዲ ሰራዊት ክህልዎ ከም ዝኽእል ስለ ዝኣመነ፡ ብኹሉ ብልጫታቱ ተጠቒሙ ኣብ ኩሉ ቦታታት መጥቃዕቲ ካብ ምግባር ኣየዕረፈን። ባጽዕ ኣብ ኢዱ ንኸእትዋ ዕድላት ከም ዘሎ ገይሩ ንነብሱ ብምድዕዓስ፡ ሸበድበድን ሻቕሎትን ምስ ተስፋ ሒዙ እዩ ውግእ ቀጺሉ” ስርዓት ደርግ፡ መጠን ኣልቦ ሰራዊትን

ኣጽዋርን ኣሰሊፉ መጥቃዕቲ ክፍኑ ከሎ፡ ክውን ዝመስል ሕልሚ ነይሩዎ እዩ። ምስኡ እውን ሕፍረት፡ ሕርቃንን ጭንቀትን! እቲ ሕልሚ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሰፊሕ ግንባር ብምዝርግሑ ናይ መከላኸሊ መስመራቱ ንኽሽፍን ዋሕዲ ከም ዘጋጥሞ፡ ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ዘካየዶም ተደጋገምቲ ውግኣት ዓቕሚ ሰቡ ከም ዝተዳኸመ ብዝነበሮ ግምት፡ ነቲ ሓይሊ ንሓዋሩ ዝድምስሰሉ ወይ ድማ ፍጹም ከም ዝለምስ ዝገብረሉ ዕድል ከም ዘሎ ይሓስብ ነበረ። “ደርግ፡ ብቐዳምነት ግንባር ብምስባር

መስመር ባጽዕ ንምቁጽጻር፡ ብኻልኣይ ድማ ሓንሳብ ነቲ ግንባር እንተ ድኣ ቆሪጹዎ፡ ብባሕሪ፡ ብኣየርን ብመሬትን ተጠቒሙ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ናብ ሳሕል ከይተመልሰ ኣብ ጎላጉል ንኸጥፍኦ፡ ብሓያል ናህሪን ህንጡይነትን ተኸታታትሊ መጥቃዕቲ ፈንዩ። ብኡ መጠን፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ሰራዊቱን ኣጽዋሩን ደራሪቡ ክሳብ ዘጥቅዕ፡ ልኡም ኰይኑ ክጽበ ምርጫኡ ኣይነበረን። ነቲ ሓደገኛ ውጥን ጸላኢ ብምምካን ግስጋሰኡ ዘቀላጥፈሉ ስልታዊ ስርሒት ኣብ ምሕንጻጽ ነበረ። ንሰራዊት ጸላኢ ክልተ ሓደገኛ ምርጫታት ክቕርበሉ ነቒሉ።”

ይቕጽል. . .

Page 4: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 4መበል 25 ዓመት ቁ.218

ርብዒ ዘበን - ኣብ መኸተን ልምዓትን!

ስእሊ - ኣርካይቭዲዛይን - ታእዛዝ ኣብርሃ

Page 5: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 5መበል 25 ዓመት ቁ.218

ናብ ምብጻሕ ዝኸዳ ዘለዋ ዝመስላ መርዑትን ኣደታትን፡ ልውየት ተኸዲነን ተኣኪበን ናብ ሓደ ኣንፈት ክኸዳ ይርኣያ። ትኽ ኢለን፡ “ማእከል መሰልጠኒ ኢደ ጥበብ ሃ.ማ.ደ.ኤ.” ዝብል ታቤላ ናብ ዘለዎ ህንጻ ክኣትዋ ክትርእየን ድማ፣ ከም ማእለማን ካይላን ዝኣመሰሉ ምስ ኣደታት ዝኸዱ ጥበባት ዝስልጥና ይመስለካ። ኣብ’ቲ ኣፍ ደገ ምስ በጽሓ ግን፡ ካብ ትሕቲ ነጸላአን ጥራውዝቲ ከውጽኣ ይርኣያ። ንምንታይ ግን እተን ዝበዝሓ ጥራውዝተን ብትሕቲ ነጸላአን ሓቢአንኦ ይመጽኣ? እንታይ እየንከ ክጽሕፋሉ?“እዘን ኣደታት ናይ ኣካዳሚ

ተማሃሮ’የን። ብዝተፈላለየ ምኽንያት (ዝበዝሓ ብምኽንያት መርዓ) ትምህርተን ኣቋሪጸን ዝነበራ ኮይነን፣ ሕጂ ኣብ’ዚ ትካል ካብ 7ይ - 12 ክፍሊ ይምሃራ’ለዋ። እተን ናይ መጀመርታ 12 ተማሃሮ፡ ባዕለን እየን ተጠርኒፈን ነቲ ሓሳብ ኣበጊሰንኦ። ዋላ ነቶም መምሃራን ባዕልና ክንከፍሎም ኢና ኢለን ተበጊሰን። ንሕና ከኣ ምስ ሚ/ሪ ትምህርቲ ተዘራሪብና፡ ንበይነን

ኣብ’ዚ ትካል ከምዝምሃራ ጌርና።” ትብል፡ ሓላፊት ሃ.ማ.ደ.ኤ እቲ ንኡስ ዞባ ወ/ሮ ፋጥና ሓምድ።“ሕጂ ተማሂረን እንታይ

ከፍርያ’የን፣ ደቀን ግዳ ዘይናብያ። ምስ ደቀን ኣብ ክፍሊ ክውዕላ ኣምሒሩለይ ኢለን ድየን. . . ዝብሉ ተስፋ ዘቑርጹ ዘረባታት እናመጽአን’የን ብልዑል ተገዳስነት ትምህርተን ዝቕጽላ ዘለዋ። እተን ደቀን ካልኣይ ደረጃ ዘብጽሓ ድማ፡

ዋላ ደቀን’ውን ንባዕሎም ኣደታቶም ምስኦም ክምሃራ ስለ ዝስከፉ ኢና ከኣ፡ ንበይነን ከምዝምሃራ ጌርናየን።” ትብል’ሞ ወ/ሮ ፋጥና፡ እቲ ጥራዘን ትሕቲ ነጸላአን ሸፊነንኦ ከምዝመጽኣ ዝገበረን ምኽንያት ይበርህ። እሞ ነቲ ዘረባታት በዲሀን ኣብ ዓወት በጽሓዶ?“እተን ናይ መጀመርታ ኣብ

2013 እየን ማትሪክ ተፈቲነን። ካብአን ጀሚርካን ብድሕሪአን

በኺታ እድሪስ ሓምድ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ቀዳሞት ነዚ ልዕል ኢሉ ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣብ ሓዳር ኴንካ ትምህርቲ ናይ ምቕጻል ሓሳብ ዘንቀላ እያ። ንሳ ዋላ’ኳ ምስ’ተን ቀዳሞት 12 ኮይነን ዝጀመራ ትኹን፡ ብሰንኪ ጥንስን ሕርስን ሰለስተ ግዜ ድሕሪ ምቁራጽ፡ ሎሚ ዓመት እያ 11 ክፍሊ ትምሃር ዘላ። ኣደ ሸሞንተ ደቂ በኺታ፡ እተን ኣብ መጀመርታ ተስፋ ዘቑርጻአን ዝነበራ፡ ሎሚ ንባዕለን ይምሃራ ምህላወን እያ ትገልጽ። በኺታ ኣብ 1988 ዓ.ም እያ

ናብ ሰውራ ተጸንቢራ። ክሳብ 5ይ ክፍሊ ድማ ኣብ ቤ/ት ሰውራ ተማሂራ። ብድሕሪኡ ብምኽንያት መርዓ ትምህርታ ኣይቀጸለትን። ደሓር ግን እቶም ናይ ቀደም መማህርታ ኣብ ዝልዓለ ደረጃ በጺሖም ክትርኢ ከላ፡ ቅዱስ ቅንኢ ክስምዓ ጀመረ። ብውሕዱ 12 ክፍሊ ክትዛዝም ከምዘለዋ ብምውሳን ከኣ፡ ምስ በዓል ቤታ ተሰማሚዓ ትምህርታ ቀጺላ።“ብመስዋእቲ እንተዘይኮይኑ፡

ብኻልእ ምኽንያት ትምህርተይ ከቋርጽ ኢለ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን ኔረ። ካብ ዘይተሰዋእኩስ፡ እቲ ገድሊ ንናጽነት ብናይ ትምህርቲ ገድሊ ክቕጽሎ ኣለኒ ኢለ።” ዝበለት በኺታ፡ ምስ’ቶም ካልኣይ ደረጃ ዝምሃሩ ደቃ ብሓባር ከምእተጽንዕ ብምጥቃስ፡ ንደቃ ልክዕ ከም መምህርን ወላዲትን ኮይና ከም እትከታተሎምን ጽብቕቲ ኣብነት ምዃናን፡ ደቃ’ውን ኣብ ትምህርቲ ግዱሳትን ንፉዓትን ምዃኖምን ትሕብር።“ምስ ደቅኻ ክትወዳደር ከቢድ

ማሕሙድ ዑመር ዓሊ (ጀሪድ)፡ ሎሚ ዓመት ማትሪክ ተፈቲኑ፡ ውጽኢት ብሃንቀውታ ዝጽበ ዘሎ ወዲ 60 ዓመት ኣቦ’ዩ። እዚ ኣብ ኣፍዓበት ብንግዲ ዝነባበር ኣቦ፣ ቅድሚ 38 ዓመታት’ዩ ብሰንኪ ዕግርግር ኣካዳሚያዊ ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ሕርሻን ንግድን ክነጥፍ ጀሚሩ። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ግን ሓንቲ ሓሳብ ክትመላለሶ ጀሚራ -

ትምህርቱ ክቕጽል።“ን16 ዓመታት’የ ከም ኮሚቴ ወለዲ ኮይነ ሰሪሐ። ተማሃሮ ኣብ

ትምህርቶም ክግደሱን ብስነ ምግባሮም እሩማት ክኾኑን እምዕድ ኔረ። ደሓር ግን፡ ‘ንባዕለይ ትምህርቲ ዘይብለይሲ፡ ከመይ ኣቢለ’የ ንካልኦት ዝምዕድ’ ዝብል ሓሳብ መጺኡኒ። ቐዲመ ንባዕለይ ኣብነት ክኸውን ኣለኒ ብምባል’የ ድማ፡ ንነብሰይ ኢለ ጥራይ ዘይኮንኩስ፡ ነቶም መንእሰያት’ውን ኣብ ትምህርቲ ንክግደሱ ከተባብዕ ኢለ ተበጊሰ። ብድሕሪኡ እንተማዓድኩ’ውን ዘረባይ ተሰማዒ’ዩ ዝኸውን ኢለ’የ 6ይ ክፍሊ ጀሚረ” ይብል’ሞ ኣቶ ማሕሙድ፡ ዋላ’ቶም ንባዕሉ ካብ ትምህርቲ ርሒቑ ዘምሃሮም ሸውዓተ ደቁ ከይተረፉ ይስሕቁሉ ምንባሮም የዘንቱ።“እዚ ቀንዲ ጎደና ገዲፈዮ’የ ኔረ። ንትምህርቲ ክብገስ ከለኹ፡ ነቶም

ምሳይ ዘለዉ ስራሕ ኣለኒ ኢለዮም’የ ጥራዘይ ሓቢአ ዝብገስ። ቀንዲ መዛኖይ ስለዝገደዱኒ፡ ምስ ሰብ ምሕዋስ ገዲፈዮ በቃ። ሻሙናይ በጺሐ ጀነራል ክገብር ብጣዕሚ’የ ዝህወኽ ኔረ። ሽዑ ጽቡቕ ነጥቢ ምስ ኣምጻእኩ’የ እዛ ጎደና ዝረግጻ እብል ኔረ። ኮሪዐ ከኣ ረጊጸያ። ብድሕሪኡ ዋላ’ቶም ዝዋዘዩ ዝነበሩ፡ ደሓን ርድኢት ክሕዙ ጀሚሮም።” ድማ ይብል።ነጋዳይ ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ግዜ ናብ ከረንን ሽዕብን ዘንቀስቕስ ዋኒን ይውጥጦ ኔሩ’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት እንከሎ

ዝሓለፎ ትምህርቲ፡ ኣዕሩኽቱ እናኣረድእዎ እዩ ዝቕጽሎ ኔሩ። ንዝሓለፎ ግድን ክምልኦ ኣለኒ ስለዝብል፡ ኢብራሂምን ስዒድ ሸከላይን ዝብሃሉ መማህርቱን ኣዕሩኽቱን፡ ከም ናይ ገዛ መምሃራኑ እዩ ዝሓስቦም ኔሩ። ብዘይካ’ዚ ኣቶ ማሕሙድ፡ ኣብ ክፍሊ ንዘይተረድኣቶ ሸለል ኢሉ ከም ዘይሰግራን ምሕታት ከምዝፈቱን እዩ ዝገልጽ። ከቋርጽ ነግ ፈረግ ዝበለላ ዕለት እንተላ ምስ ሓተትናዮ ድማ፣ “ምሳይ ዝምሃሩ ዝነበሩ ስንኩላን ኣዕሩኽተይ

ኣለዉ። ኩልና ከይተፈላለና ትምህርትና ክንቅጽል ከምዘለና፡ ‘ኣይንፈላለ’ ኢልና ምሒልና። ነኺስና ከኣ ኩልና ሎሚ ዓመት ማትሪክ ተፈቲንና ኣለና።” ይብል’ሞ፡ ኣብ ማትሪክ ክዕወት ዘለዎ ተስፋ ልዑል ምዃኑ ይሕብር። ብሰንኪ ሕማም ናብ ሱዳን ከይዱ ክሕከም ንዝሓለፎ ትምህርቲ ንምሽፋን፡ መምሃራኑ ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ድማ የመስግን።ኣብ መወዳእታ ንኣቶ ማሕሙድ፡ “ናብ ኮለጅ ዘእቱ ነጥቢ እንተረኺብካ፡ ትምህርትኻ ክትቅጽሎ ዲኻ?”

ኢልና ኢና ተወኪስናዮ።“ነጋዳይ ስለ ዝኾንኩ፡ ኣብ ኮለጅ ኣትየ ክምሃር ከጸግመኒ እዩ። እቲ ዓወት ጥራይ ይረኸብ’ምበር፣ ዋላ ሎሚ

እንተዘይቀጸልክዎ፡ ንዕኡ’ውን መዓልቲ ኣይስኣኖን እዩ።” ይብል።

በብዓመቱ ማትሪክ ዝገበራን፡ ኩለን ኣደ ቈልዑ ኮይነን፣ ኣብ ትካላት

መንግስቲ ተመዲበን ብኣድማዕነት ይሰርሓ ኣለዋ። እቲ ናተን ፍረ’ውን፡ ድሮ ነቲ ንቕሓት ናይ’ቲ ህዝቢ ከበርኾን፡እቲ ተስፋ ዘቑርጽ ዘረባታት ክጎድልን ጀሚሮ ኣሎ።” ክትብል ተብርህ፡ ወ/ሮ ፋጥና ሓምድ።ሎሚ ኣብ’ዚ ቤት ትምህርቲ፡

ደቀንስትዮ ጥራይ ዘይኮና፣ ኣቦታት’ውን ኣብ’ቲ መኣዲ ይሳተፉ’ለዉ። ኪኖ’ቲ ንውልቆም ዝረኽብዎ ፍልጠት ድማ፣ ደቆም ኣብ ትምህርቲ ግዱሳት ንክኾኑ ህያው ኣብነት እዮም። ሎሚ ዓመት ኣብ’ዛ ከተማ፡ ከም’ዚ ዓይነት ትምህርቲ ዝቐስሙ 131 ናይ ካልኣይ ደረጃን 80 ናይ ካልኣይ ደረጃን ተማሃሮ ኣለዉ። ካብዚኣቶም ኣስታት 20 ጥራይ’ዮም ደቂተባዕትዮ።

ርብዒ ዘበን - ኣብ መኸተን ልምዓትን!

“ግዜ እንተፈሊኻሉ፡ 24 ሰዓታት ውሑድ ኣይኮነን”ተማሃሪት፡ ሰራሕተኛ፡ ኣደ ሸሞንተ ደቂ

“ንነብሰይ ኢለ ጥራይ ኣይኮንኩን ዝምሃር” ወዲ 60 ዓመት ኣቦ

ኣፍዓበት - ምስ ደቀን ዝምሃራ ስድራ-ቤታትኣማኑኤል በርሀ

እዩ። ካብኦም ክሓምቕ የብለይን ዝብል ኒሕ እዩ ዝሕዘካ። ንባዕልኻ ትሑት ውጽኢት እናኣመዝገብካ፡ ንዕኦም ንፍዑ ክትብሎም ከለኻ ኣይተድምዕን ኢኻ። ምስ ኩሉ ናይ ሓዳር ንጥፈታት፡ ኣብነት ክትከውን ኣለካ። ኣነ ከኣ ብውሕዱ፡ ኣብ መጽናዕቲ ከቕንኦም እየ ዝፍትን። ኣነ ጥራዘይ እንተገንጺለ፡ ኩሎም’ዮም ኣብ ጎድነይ ኮይኖም ጥራዞም ዝግንጽሉ። መዓልታዊ ኢና ድሕሪ ድራር ብሓባር ነጽንዕ።” ዝበለት

ወ/ሮ በኺታ፡ እቲ ውጽኢት ድማ ኣብ ደቃ ይንጸባረቕ ከምዘሎ ትሕብር።ንሳ፡ ብዘይካ ንጥፈታት ሓዳርን

ትምህርትን፡ ሰራሕተኛ ኩባንያ ሕድሪ እውን እያ። “ነናቱ ግዜ እንተፈሊኻሉ፡ 24 ሰዓታት ውሑድ ኣይኮነን።” ዝብል እምነት ሒዛ ድማ፡ ንኹሉ ነናቱ መደባት ከምእትሰርዓሉ ትገልጽ።ዋላ ንባዕሉ እንተዘይተማህረ፡

ብውሕዱ ኣብ ትምህርቲ ዘይግደስን እቲ ንሱ ዝኸሰሮ ዕድል ብደቁ ክረኽቦ ዘይሓስብን ሰብ፡ ገለ ካብ’ቲ “ሰብ” ዘብሎ ረቛሒታት ጎዲሉዎ ከም ዘሎ እትኣምን በኺታ፣ ዋላ ኣብ ሓዳር’ውን ትምህርቲ ኣገዳሲ’ዩ እያ ትብል።

Page 6: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 6መበል 25 ዓመት ቁ.218

ውላድ ትዕበ

ኣብ ስታድዩም ኣስመራ (ችቸሮ)፡ ብድምቀት ዝበዓል ዝነበረ መዓልቲ ናጽነት ድሕሪ ምዝዛሙ’የ ናብ መንበሪ ገዝኣ ኣምሪሐ። ውነይ በታ ኣብቲ ዕለት መበል ዕስራን ኣርባዕተን ዕድመኣ እትጽምብል ናጽነት ጓላ ተባሒቱ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ብበረድ ተሰንዩ ክዘንብ ዝጀመረ ዝናብ ኣይተገደስኩሉን።ካምፓኔላ ምስ ጠወቕኩ ተዳልያ

ግዲ ጸኒሓስ ቀልጢፋ’ያ ከፊታትኒ። ለቢሳቶ ዝነበረት ክዳንን ዝዘርጋሓቶ ጽላልን ባንዴራ ኤርትራ ብምንባሩ ንወ/ሮ ትዕበ ወይዘሪት ዓለም ኣምሲልዋ ነበረ።“ኣንታ ፍትሓዊ፡ ስለምንታይ

ትስከፍ? ገዛኻ እንድዩ። ድሕሪ ሎም ፈጺምካ ከይትደግማ።” ንኽብሪ ልደት ጓላ ጥማር ዕንበባ ተማሊአ ስለ ዝነበርኩ፡ ትሕዝቶ ሒዘ ብምምጸአይ ባህ ከምዘይበላ ኣተምብሃትለይ።“ናጽነት ጓልኪ ጥራሕ

ትተሓጐሰሉ’ምበር እዚ ደኣ ኣየናይ ኰይኑ። አረ ካልእ ምተገብአ።” ትሕዞይ ንእሽቶ ምንባሩ ኣፍኣምኩላ።“ኣነ መቸም ነጊረካ’ለኹ።

ኣጠንቂቓትኒ ናብቲ ብሰትን ብዝተፈላለዩ መብራህትን ወቂቡ ዝነበረ ክፍሊ መቐበሊ ኣጋይሽ መሪሓትኒ ኣተወት። ዝኽትምና ዝገደፈላ በሰላ ቀሊል

ኣይነበረን። ብሰንኪ መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ መቐረት ወለዳ ከየስተማቐረት’ያ ዓብያ። ኣብታ ወትሩ ሻሂ ዝሰትየላ ሞዶርና ካፈ፡ ክልተ ተጋደልቲ ብዛዕባ ጽንዓታን ጅግንነታን ከዕልሉ ምስ ሰማዕኩዎም’የ ምስታ ፈጻሚት ቅያ ከራኽቡኒ ዝኽእሉ እንተዀይኖም ተወኪሰዮም። ሽዑ ንሽዑ ብቴለፎን ብዘራኸቡኒ መሰረት ከኣ፡ ኣብ ሳልስቱ ኣብ ቦታ ስርሐይ ንቃለ-መሕትት ዓዲመያ።“እንቋዕ ብደሓን መጻእኺ ወ/ሮ

ትዕበ።” መቕረጺት ቴብ ኣማዓራርየ ዘረባ ጀመርኩ።“እንቋዕ ደሓን ጸናሕካ ፍትሓዊ።’’

ደርጊ ስና ጋሊሃ ክምስ በለት። ፍሽኽታ ዘይፍለያ ወረጃ ሰበይቲ’ያ።

ኩለንትናኣ ርኢኻ ኣብ ግዜ ንእስነታ ትእንግርቲ ምንባራ’ዩ ዝስወጠካ።“ክልቲኦም ወለድኺ ስዉኣት’ዮም።

እስከ ብዛዕባ’ዞም ሰማዕቲ ገለ በልና።” ቀንዲ ዕላልና ብታሪኽ ወለዳ ክፍልሞ’የ መሪጸ።“ወለደይ ኣባላት ሓፋሽ ውድባት’ዮም

ነይሮም። ከም ኩሉ ተቓላሲ ዜጋ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ብምዃን ኣብ ጉዕዞ ናጽነት እጃሞም ዘበርከቱ ሰማእቲ’ዮም። ከም’ቲ ኣብ እኽሊ ክርዳድ ዘሎ፡ ኣብ ሰብ’ውን ክርዳድ ኣሎ። ስለዝዀነ ከኣ ገለ ካብ ኣባላቶም ናብ ጸላኢ ስለ ዝሰለሙ፡ ሃንደበት ኣብ ገዛ እንከለዉ’ዮም ብካድረታት ስርዓት ደርግ ተታሒዞም። ካብ ዝገርመካ ኣነ ኣብቲ እዋን’ቲ ጓል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ኣቢለ ይኸውን ስለዝነበርኩ፡ ነቲ ኩነታት ኣጸቢቐ’የ ዝዝክሮ። ብፍላይ እቲ ካብ ማማ ምፍላይ ምስ ኣበኹዎ፡ ከም ኩዕሶ ዝቐልዓኒ’ሞ ማማ ‘ዓኽኽኽ!’ ኢላ ናብ ገጹ ጡፍ ዝበለትሉ ጸሊም ዶጭዳጭ ወተሃደር፡ ክሳብ ሎሚ ካብ መዝገብ ዝኽርታተይ ኣይሃሰሰን። ብድሕሪኡ ዝሓዝዎ ምስጢር ንሰበ-ስልጣን ስርዓት ደርግ ክህቡ ስለ ዘይከኣሉ ኣብ ማርያም ግንቢ ተረሺኖም።“መዓስን ብኸመይን ኢኺ ናብ

ሜዳ ወጺእኪ?”“ድሕሪ መስዋእቲ ወለደይ፡

ገድሊ’ምበር ትምህርቲ ይረኣየኒ ኣይነበረን። ኣብ ገዛ ኣነን ዓባየይን ብጽምዋ ተበሊዕና ነበርና። ተስፋ ዘስንቕ ሓው ኮነ ሓፍቲ ስለዘይነበረኒ ኸኣ ንዓባየይ ገዲፈያ ኣብ 1981 ምስ ሰለስተ መሓዙተይ ክጋደል ንሜዳ ወጺአ።”“ብሓንቲ ካላሽን ኮብ፡ ሓሙሽተ

ወተሃደራት ስርዓት ደርግ ከም ዝማረኽኪ ዛንታ’ሎኒ። እስከ እቲ ኩነታት ከመይ’ዩ ነይሩ?” ተወኪሰያ ዓይኒ ዓይና እናጠመትኩ።“ካብቲ ዘገርም ፍትሓዊ፡ እታ ናተይ

ካላሽን ጥይት ዝበሃል ኣይነበራን። ኣብ ኵናት ግን ድፍረት ወሳኒ’ዩ። ካላሽነይ ጫዕ--ጫዕ ኣቢለ ‘ቁም!’ ዝብል ትእዛዝ ምስ ሃብኵዎም ቀዘዝ ፈዘዝ ኢሎም ደው! ብድሕሪኡ ዝነበሮም ዕጥቅን ብረትን ኣራጊፈ ኣብ ቅድመይ ኮፍ ከምዝብሉ ብምግባር ብጾተይ ክሳብ ዝመጽኡኒ ተጸብየ። ፈጺሙ ናይ ኵናት መንፈስ ዝበሃል ኣይነበሮምን። ምእንቲ ርእሱ እቲ ዝወዓለ ጠርቋሽ ኲናት ኣቋሪጹ ስለ ዝነበረ፡ ፍንትት ኢሉ ክከታተለኒ ዝጸንሐ ወዲ ጆን ናባይ ቅርብ ኢሉ ‘ኣንበሲት ቃንጫ ሽኰር፡ ኣብዛ ጠርቋሽ ኲናት ዘጥፋእናየን ጠያይት’ምበር ብዕጽፊ መሊስክየን።’ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ዕጥቅን ካላሽንን ገላቢጡ እናረኣየ ብሰሓቕ ኪርኪር ይብለልካ። ድሮ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ክንጠማመት ጀሚርና ስለ ዝነበርና፡ ኣብ መንጎ ክሊቴና ስክፍታ ዝበሃል ኣይነበረናን። ካላሽነይ ጥይት

ከም ዘይነበራ ምስ ፈለጠ’ሞ ኸኣ ኣዝዩ’ዩ ተሓጒሱ፡ ‘ርክብና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከነማእክሎ ኣለና።’’ ኢሉ ዝባነይ ጠፍ ምስ ኣበለኒ፡ ኣነ ኸኣ ብተማሳሳሊ ‘መሬት ጥራሕ ሰላም ትኹን’ምበር፡ ኣበይ ደኣ ክተርፍ ኢሉ፡’ ኢለ ሕቖኡ ብኢደይ ደራዕዅዎ። ሽዑ እቶም ምሩኻት ደንጽይዎም ቀባሕባሕ ክብሉ ስለ ዝራኣኹ ምስ ናተይ ሰለስተ ዕጥቅን ሰለስተ ካላሽንን ተሰኪመ፡ ዝተረፈ ንወዲ ጆን ሓዲገሉ፡ ‘ንበገስ!’ ብምባል ነቶም ምሩኻት ሓፍ ክብሉ ምልክት ይገብረሎም።“ናበይ?” ሓደ ካብኣቶም ተሸቑሪሩ

ተወኪሱኒ።“መግብን ማይን ናብ እትረኽብሉ

ቦታ።” ምስ በልኩዎ ቀዲምዎም ተንሲኡ።“ከመይ ረኺብካያ? ጽብቕቲዶ?”

ወዲ ጆን ነቲ ሰሰሪቑ ብጎቦ ዓይኑ ዝጥምተኒ ዝነበረ ወተሃደር ብቛንቋ ኣምሓርኛ ተወኪስዎ።“ማርያም ብኣካላ።” መሊስሉ

ብሕፍረት ድንን በለ። ኣጋጣሚ ክልቴና ቋንቋ ኣምሓርኛ ንመልኽ ስለ ዝነበርና ኢና እናኣዕለልናዮም ኣሃዱና ኣብ ዝነበረትሉ ቦታ በጺሕና።” ኢላትኒ ካልእ ፍጻሜ ክትዝክር ዝደለየት ክትመስል ናብ ቦሎፎን ናይቲ ዝነበርናሉ ክፍሊ ኣንቃዕሪራ ጠመተት።ተሾመ ዮውሃንስ (ወዲ-ጆን)

ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ዝተሰወአ ኣዝያ ተፍቅሮን ዘፍቅራን ብባህሊ ህዝባዊ ግንባር ዝተሓጸያ በዓል ልባን ምንባሩ ስለ ዝሰማዕኩ፡ መቕረጺት ቴብ ንስያፍ ኣቕኒነ፡ “ነታ ምስ ወዲ-ጆን ናይ መወዳእታ ርክብኩም ብመስዋእቲ ክዛዘም ዘፍቀደት መዓልቲ ብኸመይ ትገልጽ’ያ?” ኣብቲ ህሞት’ቲ ብዙሓት ዕጽፍ ዝርግሕ ዝብሉ ንስለ ናጽነት ዝተበጀዉ ደቂ-ጋንታኣ ቅጅል-ቅጅል እናበሉ ክረኣይዋ ምዃኖም እናተሰወጠኒ’የ ትብዓት ሰኒቐ ተወኪሰያ።“መሬት ማእለያ ብዘይብሉ ተተኮስቲ

ተናዊጻትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን’ዩ። ካብ መራሒት መስርዕ ናብ መራሒት ጋንታ ተሰጋጊረ ስለ ዝነበርኩ፡ ጋንታይ መሪሐ ናብ ሕምብርቲ’ቲ ኵናት ይኣትወልካ። ሽዑ ንሽዑ ንጸላኢ ብርእሲ ኵናት ዝተባህለ ቅዲ ኣሰላልፋ ሓመድ ድፋጭኡ ነስትዮ። ጸኒሑ ግን በቃ! ተሓዋወስ ኰይኑ። ዝቕተሉ ቀቲልና ዝማረኹ ማሪኽና፡ ንሒደት ሰዓታት ቁሩብ ትንፋስ ንረክብ። እንተዀነ ጸላኢ ዳግመ ምውድዳብ ገይሩ ስለ ዝተመለሰና ብኡ-ንብኡ ናብ ጓይላ’ቲ ኵናት ኣቲና። ወዲ ጆን ደው ኢሉ ይሃጅመሉ ኣብ ዝነበረ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ወተሃደር ጸላኢ ናብኡ ከነጻጽር ምስ ረኣኹ ተቓዳዲመ ብምትኳስ የቃብጾ። ብድሕሪኡ ኣብ ናይ ቋሕ-ሰም ግዜ ኣብቲ ዝነበርናሉ ቦታ ናይ ታንክታት ቦምብ ዘኒቡ። ሽዑ ኣብ ቅልጽመይን ኣፍልበይን ገለ ነገር ክሃርመኒ እንከሎ ይፍለጠኒ ነይሩ። ኣድህቦይ ናብ ኵናት ጥራሕ ስለ ዝነበረ ግን ኣይተገደስኩሉን። ደሓር እቲ ዝሃረመኒ እንታይ ምዃኑ ክርኢ ድንን እንተ በልኩስ

ኣብ ሕቑፎይ ካብ ብርኪ ንታሕቲ ዝተቖርጸት ኢድ ስለ ዝራኣኹ ፈዚዘ። ፈለማ እታ ዝተቘርጸት ኢድ ናተይ’ዩ መሲሉኒ ነይሩ። ደሓር ግን ናይቲ ኣብ ጥቓይ ኰይኑ ክረጋረግ ዝወዓለ ብልቢ ዘፍቅሮ ወዲ ጆን ምዃና ኣረጋጊጸ። ኣይገርመካን ተጋዳላይ ንውሽጢ’ዩ ዝነብዕ’ሞ ኣነ ግና ኣብ ሽዑ በጺሐ ሜዳ ድሕሪ ምውጸአይ ንፈለማ እዋን ንደገ ነቢዐ። ዝተቛራረጸ ኣካላቱ ጠራኒፈ በታ ዝነበረትኒ እንኮ ኣንሶላ ሸፊነ፡ ብዝኽረ ሰማእታት ኣፋንየዮ። ንሱ ኸኣ በታ እስኮጆ ሰብ ኰይና ዝመጽኣትኒ ኢዱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኣካል ተፈልዩኒ። ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ገድሊ ንናጽነት ቀሊል ኣይነበረን ፍትሓዊ፡” ብምባል ኣብ መዓሙቕ ትዝታ ተሸመመት።“ውላድ ወሊድኪ’ዶ?” ድሕሪ

ናጽነት ተመርዕያ ካብ ማህጸና ዝወጹ ተካእቲ ውሉዳት እንተለውዋ’የ ተስፋ ሰኒቐ ሓቲተያ።“እ እወ፡ ናጽነት ትበሃል ምጭውቲ

ጎርዞ ኣላትኒ። ዝመጽእ ዕለት 24 ግንቦት 2015 መበል 24 ዕለተ ልደታ ከተብዕል ስለዝዀነት ኣብቲ ኣብ ገዛይ ዝገብረላ ናይ ድራር እንግዶት ዓዲመካ’ለኹ።” ድሕሪ ምባል

ንኻልኣይ ግዜ ዝን በለት።“ደስ እናበለኒ።” ካብታ ኲሕልትን

ስልምትን፡ ምጭውቲ ተጋዳሊት ዝተወልደት ጎርዞ ትእንግርቲ ፍጥረት ክትከውን ከም እትኽእል እናገመትኩ ኣሕጺረ መለስኩላ። ኣብ ጽምብል ጓላ ግድን ክመጽእ ምዃነይ ሓቢረ ከኣ ተፋነዅዋ።ሽሻይ ተቐሪቡ፡ ኣብቲ ገዚፍ ጣውላ

24 ዝተፋላለየ ሕብርታት ዝነበሮም ሽምዓታት ተወሊዖም፡ ሓንቲ ለይለይ ዝቑመታ ክትስሕቅ እንከላ ቁሩብ ጥንቡቕ ዝብላ ልስሉሳት መዓጓጉርቲ ዝነበራ ጎርዞ ትርከቦም ክልተ ሰብኡትን ሰለስተ ኣንስትን ወኻዕካዕ እናበሉ’ዮም ጸኒሖሙኒ። ንኹሎም ሰላምታ ለጊሰ ኣብ ጥቓ’ታ ጎርዞ ምስ በጻሕኩ ከኣ፡ ወ/ሮ ትዕበ ፍሽኽታ ኣሰንያ “ሰላም በላ፡ ሰምሃር ትብሃል፡ ጓል ንእሽቶ ሓወቦይ’ያ፡” ኢላትኒ ኮፍ በለት።ዝተሰለመት ቶርታ ባዕላ ወ/ሮ ትዕበ

ክትቆርሳ ምስ ተዓዘብኩ ግና ብተርባጽ፡ “ናጽነት ጓልኪኸ ደኣ?” ተወከስኩዋ።“ናጽነት ጓለይ ደኣ ከም ድላይካዶ

ተስተማቕራ፡ ትድሰተላ የለኻን።” ንጹርን ዘየዳግምን መልሲ ሂባትኒ ክምስ በለት።

መርሃዊ ታደሰ

ዓመት ቴማታት (ጭርሖ)1992 ንዕማም ዳግመ ህንጻ ከም ጉዕዞ ሓርነት ብትብዓት ክንዛዝሞ

ኢና!1993 ሕጂ’ውን ዕላማና ብልጽግትን ስልጥንትን ሃገር ምህናጽ’ዩ!1994 ከም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዳግመ ህንጻ ተኣምር

ንስራሕ!1995 ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ጽንዓትን ስራሕን!1996 ከም ተኣምር ናጽነት ቅያ ልምዓት ክንሰርሕ ኢና!1997 ንጹር ራእዪ ጽኑዕ መብጽዓ!1998 ከም ተኣምር ናጽነት ቅያ ልምዓት!1999 ብዘይ ሃገር ክብረት የለን2000 መዓልቲ ናጽነት መዓልቲ ጽንዓትን መኸተን!2001 ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!2002 ብጉሳት ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ!2003 ሓይልና ኣብ ልምዓት ንኹሉ ድልዋት!2004 ጥሙራት፡ ኣብ ማሕላ ሓንቲ ሰንደቕ!2005 ልደት፡ ሰብኣዊ ክብረትን ቁጠባዊ ሓርነትን!2006 ስራሕ፡ ክብረት ዝህብ ክብሪ!2007 ወፍሪ ሎሚ ራህዋ መጻኢ!2008 መኸተና ዋሕስ ናጽነትናን ዕቤትናን!2009 ናጻ መስመርና ዋሕስ ልምዓት!2010 ብስራሕ ንመክት ንገስግስ!2011 ውሁድ ቅኒት ንሃገራዊ ክብረት!2012 ናጽነትና ክብረትና!2013 መኸተ ድርዕና፡ ስራሕ ክብርና!2014 ንርሁው ጽባሕ፡ ሎሚ ንስራሕ!2015 ልምዓት ብጽንዓት!

ጭርሖታት (ቴማታት) በዓል ናጽነት ኤርትራ

1992-2015

Page 7: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 7መበል 25 ዓመት ቁ.218

ምጽራይ ማይ

ኵርናዕተማሃሮ

ሱራፌል ተስፋብሩኽ

ኣምራት ስነ-ፍልጠት

ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ማይ ዘለዎ ኣጠማምታ ካብ ቅድሙ ስልጥን ዝበለ እዩ፣ ኣገዳስነት ማይ ንህዝቢና ዓቢን ናይ ህይወት ሕቶ ምዃኑን ናብራና ስለ ዝዀነ ነጋሪ ኣየድሊየናን፣ ዝተጻረየ ማይ ዝሰቲ ቍጽሪ ህዝቢና ግን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ሃገርና ዝነብሩ ህዝቢና ማይ ብቡንባ ክሰትዩ ከም ዝበቕዑ ኣብ ዜና ንሰምዕ ወይ ነንብብ ኢና፣ ዝያዳ እቲ ንኽትወርዶ ትጓዓዞ ጕዕዞ፤ ትደኽሞ ድኻም፤ እተጥፍኦ ግዜ ክፍወስ ምኽኣሉ ግን እቲ ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ክትረክብ ምኽኣል ይዓቢ፣ ስለዝዀነ እዩ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ካብ ዒላ ማይ ምቕዳሕ ተሪፉ። ማእከላይን ዝቐረበን ቡንባ ዝዳሎ ዘሎ፣ እተን ገና ማይ ቡንባ ዘይበጽሐን ከኣ ጥሪተን ዘስትያሉ ካብቲ ንጎሮረአን ዝሰትያሉ ከም ዝፈልይኦ ይግበር ኣሎ፣

ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ከስዐን መዓናጡን ከቃልዕ ይኽእል፣ ኣብ ዘይተጻረየ ማይ ዝርከቡ ብዙሓት ታህዋስያን ኣለው፣ በዚኦም ኣቢሉ ዝፍጠር ዝተፈላለየ ሕማማት ድማ ኣሎ፣ ገለ ካብዚ ሕማማት ተላባዒ ብምዃኑ ከኣ ንብዙሓት ሰብ ኣብ ሓጺር ግዜ ከጥቅዖም ይኽእል፣ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ 2005 ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት ኣብ ዓለም ጠንቂ ሕማማት ካብ ዝዀኑ ምኽንያታት እቲ ቅድሚት ዝስራዕ ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ምዃኑ ይንገር፣ ዓመታዊ ብሰሪ’ዚ 3.4

ስ ት ሪ ምግድል ኮ ̀እዚ ጸወታ ወይ ግድል “ስትሪምኮ” ይበሃል፣ ንሰዶኮ ዝመስል

ጸወታ እዩ፣ እዚ ብግራባርቻክ ዝተባህሉ ስድራ ዝተማህዘ ኰይኑ። ኣብ ክልሰ-ሓሳባት ትርቢዒት - ናይ ላቲን ፈላጥ ስነ-ቍጽሪ ሊዮናርዶ ኢለር (18 ክፍለ-ዘመን) ዝተሞኰሰ እዩ፣

ኣገባብ ኣጸዋውታኡ፥ ኣብዛ ትርእዩዋ ሰደቓ። 6ተ ብ6ተ ዝተሰርዓ ዓንኬላት ኣለዋ፣ እዘን ዓንኬላ ቍጽሪታት እየን ዝሕዛ፣ ካብ 1 ክሳብ 6 ድማ ይምልኣ፣ ካብ 1 ክሳብ 6 ዘለዉ ቍጽሪታት ንትኹልን ንጋድምን ልክዕ ከም ሰዱኮ ክድገሙ የብሎምን፣ ኣብቶም ብመስመር ተራኺቦም ዘለዉ ዓንኬላት’ውን ክድገም የብሉን፣

(መልሲ። ካብ 1 ክሳብ 6 ዘለው ቍጽሪታት ንትኹል። ንጋድምን ብሕንጻጽ ተታሒዞምን ኣብ ዝርከቡ ዓንኬላት ክድገሙ የብሎምን፣)

ብርቱዕ

ኣመጻጽኣ ቱርካውያን

ገለ ካብ ታሪኽና

ቀደም ዘመን ዝሓየለ ክሳብ ድላዩ እናኸደ መሬት ይግብት። ሃብቲ እቲ ከባቢ ይራሲ። ሰብ የበሳስብስ ነበረ፣ ኣብ ታሪኽ ዓለም ብዙሓት ዓበይቲ ግዝኣታት ዝነበሮም ንግስነታት ሓሊፎም እዮም፣ ኩሎም ከኣ በብእዋኖም ይመጽኡን ይጠፍኡን ነበሩ፣ ኤርትራ ሃገርና’ውን ካብ ቀደም ኣትሒዛ በዞም ዓበይቲ ንግስነታት ትጽሎ ነበረ፣ ንኤርትራ ካብ ዝገዛኣ ሃገራት ብቐደም-ተኸተል ክንሰርዖ እንከለና ካብ ንግስነት ኦቶማን - ቱርኪ - ኣትሒዝና ኢና እንጅምር፣

ንግስነት ኦቶማን ንዘመናት ዝጸንሐ ሓያል ንግስነት እዩ ዝነበረ፣ መጀመርታ ካብቲ ዝነበሮ ማእከላይ ኤስያ። ብ1356 እዩ ናብ ኤውሮጳ ከስፋሕፍሕ ጀሚሩ፣ ካብ 14 ክስዕ 17 ክፍለ-ዘመን ኦቶማውያን ቱርካውያን ኣብ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ክቈጻጸሩ ከኣሉ፣ ንዉሑድ ክፋል ኤስያ ድሕሪ ምቍጽጻሮም። ንኣርማንያ’ዮም መጀመርታ ዝወረሩ፣ ንባልካን ፐንዙላ። ሰርብያ። ሩማንያ። ግሪኽን ቡልጋርያን ተቘጻጺሮም፣ እንተዀነ ቱርካውያን። ብ1683 ኣብ ሰይጅ - ቨይና - ድሕሪ ዝወረዶም ስዕረት ናይ ኤውሮጳ ገስጋሶም ደዉ በለ፣ ድሕሪ እዚ ስዕረት ኣብ ኤውሮጳ ክግስግሱ ኣይከኣሉን፣ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከባ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ

ብምቕናዕ። ንሊብያ። ግብጺ። ቱኒዝያን ኣልጀርያን ተቘጻጸሩ፣ ዳርጋ ዝዓበየ ክፋል ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ነበረ፣ ድሕሪ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ቀይሕ-ባሕሪ ብምስጋር ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ መጽኡ፣ ንወደብ ምጽዋዕ ከኣ ብ1557 ተቘጻጸሩዋ፣ (Eritrea Text Book: HISTORY FOR GRADE 8)

ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት በብግዜኡ እናተጠርነፉ። ካብ እንዳዊ ኣተሓሕዛ ወጺኦም ዝምሓደሩሉ ኣገባባት እናኣማዕበሉ መጺኦም ነበሩ፣ ነዚ ቀዋሚ መልክዕ ዝሓዘ ህዝቢ ኤርትራ። ካብ 16 ክሳዕ 19 ክፍለ-ዘመን

ብዙሕ ግዜ ናይ ወራርን ጎበጣን ፈተነታት ተኻይዱሉ እዩ፣ ካብቲ ነቲ ምትእትታው ዝደረኸ ምኽንያት ሓደ ከኣ ምስፍሕፋሕ ንግስነት ኦቶማን ምዃኑ ይንገር፣ ቱርካዉያን ንወደብ ምጽዋዕ ድሕሪ ምቍጽጻሮም። ናብ ከበሳታት ኤርትራ እዮም ክድይቡ ዝጀመሩ፣ ካብ ባሕረ-ነጋሲ “መረብ ምላሽ”ን ንግስነት ኣቢስንያን ድማ ተቓውሞ ገጠሞም፣ ኣብዚ ኣብ ከበሳታት መረብ ምላሽን ኣቢስንያን ዝተኻየደ ዓውደ-ውግኣት ክዕወቱ ዘይከኣሉ ቱርካውያን። ኣብ ገማግም ባሕሪ ክሕጸሩ እዮም ተገዲዶም፣ ኣብዚ ገማግም ከኣ ክሳዕ 1865 ብቐጥታን ብኢደ ዙርን ጸንሑ፣

መልእኽቲ ኣለኩም

ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ንሞት ይቃልዑ፣ ካብቲ ብኵናትን ግብረሽበራን ዝመውት ሰብ ብተዓጻጻፊ ኣዝዩ ዝበዝሕ ቍጽሪ እዩ፣ በዚ ቀዲሞም ዝጥቅዑ ህጻናት፡ ቈልዑን ኣረገውቲን እዮም፣

ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ገለ እዋን ብዝፍጠር ጸገማት ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ዝሰተዩ ኣሽሓት ሰብ ብውጽኣት ተጠቒዕም ናብ ሞት ዘምርሑ ኣለው፣ ብ1854 ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ብዝተላብዐ ውጽኣት ብዙሓት ሰብ ክሞቱ ክኢሎም፣ ብርጣንያዊ ስነ-ፍልጠተኛ ነዚ ጠንቂ ሞት ዝዀነ ነገር መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያዱ። ረሳሕ ማይ ናብቲ ዝስተ ማይ ብምሕዋሱ ከም ዝተላዕለ ፈለጠ፣ ካብዚ ብምብጋስ ክሎሪን ኣብ ማይ ምሕዋስ ነቶም ታህዋስያን ክቐትሎም ከም ዝኽእል ሓሳብ መጽአ፣ ማይ ከጻርዩ ዘይክእሉ ህዝቢታት ክሳብ ሕጂ ክሎሪን ይጥቀሙ ኣለው፣ በዚ ጠንቂ ዝመጽእ ዝነበረ ሕማም ከኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጐደለ መጺኡ፣ ድሒሩ ብዝማዕበለ ኣገባብ ምጽራይ ማይን ከሚካልን ምሉእ ብምሉእ ጽሩይ ማይ ዝሰትያ ሃገራት ዓለም ብዙሓት እየን፣ ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ህይወት ብምዃኑ። ቀጻልነት ወዲ ሰብ ኣብ ሕቶ ማይ ይምርኰስ እዩ፣

(ምንጪ።Lenntech. + Encyclopaedia Britannic. + VOA.)

ዝርግሐ ግዝኣት ንግስነት ኦቶማን

“ትምህርቲ። ምንባብ። ምጽሓፍን ምቝጻርን ምፍላጥ ማለት ኣይኰነን፣ እዚ ኹሉስ ናብ ኣደራሻት ትምህርቲ ዘእቱ። ናብቲ ግምቢ-ጥበብ ዘደየብ መደያይቦ እዩ’ምበር መወዳእታ ኣይኰነን፣”

- ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም

ናብ ክፍሊ ምስ ኣተና ተቐዳዲመ ናብ ሰፈርና፡ ናብ ያኔት፡ ኣምራሕኩ። ናይ ሎሚ ናይ ፊዚክስ ክፍለ-ግዜ ያኔት ብተቕርቦ ኣርእስቲ’ዩ ክሓልፍ። “እንታይ ደኣ ትሓስቢ ኣለኺ?” ሓተትኩዋ ቅድሚ ኮፍ ምባለይ።

“ዋላ!” ንኽስዕማ ገጻ እናሃበትኒ መለሰት። “እንታይ ‘ስከ፡ እታ ሓሲበያ ዝነበርኩ ኣርእስቲ እንድየ ሃንደበት ክቕይራ ደልየ።”

“እሂ ደኣ፡ ሕጂ’ሞ ከመይ ገይርኪ ክትቅይርዮ? ኣይተርክብሉን ኢኺ። መዓስ ተዳሊኺ መዓስ ከተቕርብዮ?”

“ሕጂ ሃንደበት ሓሳብ መጺኡኒ ብዛዕባ ባንዴራ ገለ ክብል ደልየ፡” ዘረባና ከይወዳእና መምህርና ኣተወ። “ከመይ ውዒልኩም?” ድሕሪ ምባሉ ድሙቕ “እግዚኣብሄር ይመስገን” ተመለሰሉ። ናብ ያኔት እናጠመተ ብኢዱ ናብ መድረኽ ዓደማ። ያኔት ድማ ተንሰአት።

“ዝሓሰብኩዎ ገዲፈ’የ ሓደ ነገር ከዕልለኩም። ሎሚ ቅነ ብሩራዊ እዮቤልዩ መዓልቲ ናጽነትና ብምዃኑ’የ ብዛዕባ ባንዴራ ንእሽተይ ሓሳብ ክህብ ደልየ።

ባንዴራ ካብ ቅድሚ 4000 ዓመታት ኣትሒዙ’ዩ ተኣታትዩ። ባንዴራ በብመልክዑ ዘተኣታተዋ ሃገራት በብሓደ ክዝርከራ ይከኣል’ኳ እተንዀነ፡ ዕላማ ናይ ኩሉ ባንዴራታት ግን ሓደ እዩ። ሓደ ባንዴራ ዝሓዘ ህዝቢ፡ ሓበሬታ ንኸምሓላልፍ’ዩ ዝጥቀመሉ። መግለጺ መንነቱ፡ መን ምዃኑ ንኽነገር ኢሉ’ዩ። ነቲ ዜጋ ከኣ ሓበን፡ ጽንዓት፡ መብጽዓ፡ ኩርዓት፡ እንታይነት… ወዘተ. ክህሉዎ ይድርኽ።

ባንዴራ ሃገራት ዓለም ብዝተፈላለየ ቅርጺን ሕብሪን ዝቘመ ካብን ናብን

ዝፈላለ እዩ። ኣብ ባንዴራ ዝርከቡ ሕብሪታት ምስ መንነት፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ክብሪን ራኢን ናይቲ ህዝቢ ተዛሚዱ ይሕረ። ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ባንዴራታት ካብ እንረኽቦም ሕብሪታት ነዚ ዝስዕብ ትርጕም ሒዞም ይርከቡ፤

ቀይሕ - ንሓደጋ፡ ሰውራ፡ መስዋእቲ፡ ትብዓትን ሓይሊን፣

ጻዕዳ - ንሰላም፡ ስዩም ምባል፡ ምቍራጽ ቶዅሲ፣

ኣራንሾኒ - ትብዓትን መስዋእትን፣

ቀጠልያ - ውሕስነት፡ መሬት፡ መንእሰይ፡ ተስፋ፣

ብጫ - መጠንቀቕታ፡ ወርቂ፣

ጸሊም - ቃንዛ፡ ሓዘን፡ ሞት።

ሎሚ ኣብዛ ዓለም ዘላ ዝዀነት ሃገር ባንዴራ ኣለዋ። ዝተፈላለያ ትካላት’ውን ከምኡ። ኤርትራ ከኣ ከም ዝዀነት ሃገር ናይዛ ዓለም ናታ ንልኡላውነታ፡ ክብራ፡ መለለዪኣ ዝገልጽ ባንዴራ ኣለዋ። ከም ዝዀነ ካልእ ዓለም ኣብ ባንዴራና ሕልፊ ክብሪ ኣሎና። ንግሆን ምሸትን ኣብ ቤት ትምህርቲና ኣንቃርሪና እናጠመትና እንሰቕላ፡ ብቤት ጽሕፈታት እናሓለፍና ፊስካ ሰሚዕና ናብ ኣንፈት ገይርና፡ ብልቢና ከም እነፍቅራ ከነርኢ ከኣ ኣፍ ልቢና ሒዝና ብኹርዓት እናጠመትና ንሰቕላን ነውርዳን። ኣብ ዓበይቲ በዓላትና ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሜትሮ ባንዴራና ንርኢ ኢና እንተ በልና ምግናን

ይመስል ይኸውን። ኣብ ግዜ በዓል ናጽነትን ፌስቲቫልን ማዕረ ቍጽሪ ሰብ ኢና ባንዴራና እንርእያ። ካብዚ ብምብጋስ ሕብሪታት ባንዴራና እዚን እዚን’ዩ ምባል ትርጕም ኣይህሉዎን። ትርጕሙ እንተ ሓቲትና ከኣ ቀጠልያ ንልምዓት፡ ቀይሕ ንመስዋእቲ፡ ብጫ ንማዕድናት፡ ሰማያዊ ከኣ ንባሕሪና ዘመልክት ምዃኑ ዝዀነ ተማሃራይ መባእታ ክነገረና ይኽእል እዩ። ኪንዮኡ ንውህደት፡ ቅርጺን ኣቃውማን ባንዴራና ተስተማቕሩዎዶ?...”

“ሓንሳብ!” ኢሉ መምህርና ኰለፋ። “እዛ ሕቶ ንዝመጽእ ሰሙን ፈሊጥኩማ ምጽኡ፡” ብምባል ናይ ሎሚ መደብ ዛዘሞ።

ኢልሃም ፈረጅ - ከረን

ትርጉም ባንዴራ

Page 8: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 8መበል 25 ዓመት ቁ.218

ተስፋኣለም

ገብረዮሃንስ

(ኲባ)

ጋዜጠኛ መርበብ ሓበሬታ ኢኤስፒኤን ኲከ ዎልፍ፡ ንኮኾብ ተጻዋታይ ዓለም ሊዮነል መሲ፡ ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ግጥም ባርሰሎና ኣንጻር ኢስጳኝዮል ቃለ መጠይቕ ኣካይዱሉ ነይሩ። ዎልፍ፦ ነዊሕ ኮይኑ ካብ ዘይንራኸብ።

ሕልምታትካ በጺሕካዮም ኢኻ። ተጋግየ ድየ?

መሲ፦ እወ ነዊሕ እዋን ሓሊፉ’ሎ። ብዕድል ከኣ ሕጉስ እዋናት ተፈጢሩ። ክሳብ ሕጂ ብዝተሓፍሰ ዓወታት ኣዝየ ሕጉስ እየ - ብፍላይ ብዓወታት ክለበይ። ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ድማ፡ ብርክት ኣብ ዝበለ መድረኻት ፍጻመ እኳ እንተበጻሕና፡ ዋንጫ ክንዓትር ግን ኣይከኣልናን። እዚ ድማ ካብ እንግደዓይ ክእለ ኣይከኣለን፡ ግን ኩዕሶ እግሪ ከምኡ እዩ።ዎልፍ፦ ባርሳ ጽዋእ ላሊጋ ንምዕታር

ሓንቲ ጸወታ ጥራይ እያ ተሪፋታ ዘላ። መሲ፦ እወ፡ ዕድል ገይርና

ኣቐዲምና ብርክት ዝበለ ነጥቢ ሓፊስና ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ እዋን ግጥም ሃገራውያን ጋ ን ታ ታ ት ዘይተጸበናዮ ብዙሕ ተጎዲእና ኢና። ምጽእ ምስ በልና ምስ ሪያል ማድሪድ ገጢምና ብድሕሪኡ መጻረዩ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ኣስዒብና ድማ ብዙሕ ነጥቢ ዘባኸንናሉ ተኸታታሊ ግጥማት ላሊጋ ኣካይድና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዕድል ገይርና፡ ምስ ነብስና ተጸባጺብና ናብቲ ዝነበርናዮ ደረጃ ተመሊስና ኣለና። ዎልፍ፦ እታ ክለብ ሓድነታ ኣደልዲላ

ምስ ሓየለት’ሞ “ ብጾት ኣብ ነብስና ክንኣምን ኣለና” ዝብል መነቓቕሒ’ዶ ይኸውን እቲ ምስጢር? መሲ፦ እወ። ብዕድል ነቲ ኩነታት ኣብ

ግዜኡ ኢና ተቖጻጺርናዮ። እቲ ሓቂ ግን፡ ካብ ውድድር ጎባልል ክለባት ብኣትለቲኮ ምእላይና ዝኸበደ ነይሩ። ኣብ ቀዳማይ እግሪ ላዕለዋይ ኢድ ናትና እዩ ነይሩ። ነቲ መጻረዩ ክንቆጻጸሮ ነይሩና። ግን፡ ኣብ ካልኣይ እግሪ ኣብ ሜዳ ቪሰንተ ካልዴሮን ክትጻወት ኣጸጋሚ ኮይኑ። ምኽንያቱ፡ ኣትለቲኮ ክገብርዎ ዝኽእሉ እዮም ገይሮም፡ እዚ ድማ፡ ንኹነታትና ዝያዳ ዝተሓላለኸ ገይርዎ።ዎልፍ፦ ማድሪድ ጽዋእ ሻምፕዮንስ ሊግ

ክትዓትር ትደሊ’ዶ?መሲ፦ ደገፍቲ ባርሰሎና ከም ልምዲ

ማድሪድ ዝኾነ ዋንጫ ክትዓትር ኣይደልዩን እዮም። እዚ ከምቲ ማድሪዳውያን ኣብ ልዕሌና ዘለዎም ስምዒት ማለት’ዩ። ግን፡ ኣብ መወዳእታ ደጊሞም ኣብ ፍጻመ በጺሖም

ኣለዉ። ብወገንና ኣብቲ ክንዕወተሉ እንኽእል ከነተኩር ጥራይ’ዩ ዘለና። ገና ክልተ ግጥማት ፍጻመ ተሪፉና ኣሎ። ኣብ ክልቲኡ ተዓዊትካ ምውጻእ ድማ ባህታ ዝፈጥር እዩ። ኣብ ግጥም ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትህሉ እውን ዘደስት እዩ፡ ግን ኣይተኻእለን። ስለዚ ካብ ሰለስተ ኣብ ክልተ ምዕዋት እጹብ ድንቂ እዩ።

ዎልፍ፦ ኣንጻር ናይ ዲየጎ ሲሞነ ጋንታ ምጽዋት ኣጸጋሚ እዩ። ኣይኮነን ድዩ?መሲ፦ ኣንጻሮም ክትጻወት ፈጺሞም

ዘይምችኡ ጋንታ እዮም። ብፍላይ ሲሞነ ብዘበርክቶ ዘሎ ስራሕ ዝያዳ ክብሪ ይግበኦ። ንሱ ንተጻወትቱ ኣብ ልዕሊኡ ልዑል እምነት ከም ዘሕድሩ’ዩ ገይርዎም። በዚ ድማ፡ ንዝትልሞ መደባት ብጽፈትን ብምሉእነትን ክትግብርዎ ይረአዩ። ካብዚ ወጻኢ ሲሞነ

ዝነኣዱ ተሰለፍቲ፡ ናይ ምስላፍ ዕድል ኣብ ዝረኽቡሉ ነቲ ዝወሃቦም ታክቲክ ዘተግብሩ ተቐየርቲ ኣለውዎ።

ዎልፍ፦ ንኸምታ ብሰንበት ዘመዝገብካያ

ብልጽቲ ነጻ ቅላዕ ዝኣመሰላ ሸቶታት ብዕድል ከም ዝተመዝገባ ገይሮም ዝገልጹ

ተዓዘብቲ ኣለዉ። እቲ ሓቂ ግን፡ ምሉእ ሂወትካ ኣብ ልምምድ ከም እትሰርሓሉ እዩ ዝዝረብ።መሲ፦ እወ፡ እቲ ሓቂ ከምዚ ዓይነት

ሸቶ ንምምዝጋብ ብቐጻሊ ኢና ልምምድ ነካይደሉ። እታ ኩዕሶ ብኸመይ ናብቲ ልክዕ ቦታ ከም እትበጽሕ ኢና ንሰርሕ። ብርክት ዝበሉ ነገራት ኣብ ጉዕዞ ሂወት ኢኻ እትመሃሮሎም። ዎልፍ፦ ነቶም ሓለውቲ ልዳት ናብየናይ

ኣንፈት ከም እትቐልዓ ከም ዘይፈልጡ ገይርካ፡ ማለት ብቐጥታ ናብ ዓንዲ ልዳት ወይ ከኣ ብልዕሊ እቶም ናይ ምክልኻል መንደቕ ዝሰርሑ ተኸላኸልቲ ሓሊፋ ከም እትኸይድ ብምግባር ዲኻ ተደናግሮም? መሲ፦ ግልጺ ንምዃን እቲ ሓቂ ንሱ እዩ።

ነታ ኩዕሶ ብልዕሊ እቶም ንኽከላኸሉ መንደቕ ዝሰርሑ ተጻወትቲ ከም እትሓልፍ ገይረ እየ ዝቐልዓ። ግን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ገለ ነገር ሕውስ ከብለሉ እፍትን’የ፡ ስለዚ ከኣ፡ እቶም ሓለውቲ ልዳት ክሳብ ዝቐልዓ፡ እታ ኩዕሶ በየን ከም እትመጾም ንምግማት ይጽገሙ። በዚ ምኽንያት ድማ’የ እቶም ሓለውቲ ልዳት ኣብ ምጥርጣር ከም ዝኣትዉ ዝገብሮም።ዎልፍ፦ ውድድር ‘ኮፓ ኣመሪካ

ቸንተናርዮ’ - ሓድሽ ህንጡይነት?መሲ፦ ሓድሽ ውድድር እዩ፡ ፈጺሙ

ዝተፈልየ። ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተጻወትኩዎም እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝካየድ ውድድር ዝተፈልየ’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ህዝቢ፡ እቲ ስታድዩማት፡ ካብ ካልእ ፍልይ ዝበለ ክገብሮ እዩ። ንዓና (ኣርጀንቲና)

ሊዮነል መሲ

ኩርናዕ ቃለ- መጠይቕ

ድማ ሓድሽ ዕድል። ዎልፍ፦ ንኦሊምፒክ፡ ንስኻ ክትሳተፎ

እትደሊ ውድድር’ዩ ኢለ ዝወራረደሉ እዩ?መሲ፦ ክሳተፎ ዝደልዮ ውድድር እዩ።

ምኽንያቱ፡ ንዓይ ሓደ እጹብ ድንቂ ተመክሮ ስለ ዝኾነኒ። ኣብ 2008 ተጻዊተ እየ። ልክዕ ከምቲ ኣብ 2005 ውድድር ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ማለት’ዩ። ስለ ዝተዓወትና ጥራይ ማለት ግን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብኡ ዝቐሰምክዎ ተመክሮ ዓቢ ብምዃኑ። ኣብ ቁሸታት ኦሊምፒክ ክትቅኒ ፍልይ ዝበለ ተመኩሮ እዩ። ካብ ካልኦት ዓይነታት ስፖርት ምስ ዝመጹ ኤሊት ኣትለታት፡ ሓደ ካልእ ኣትለት ኴንካ ኢኻ ትራኸብ፡ ዋላ’ኳ ኣብቲ ቁሸታት ንውሕ ዝበለ ግዜ ኣይተሕልፍ፡ ዘደስት እዩ።ዎልፍ፦ ኩሎም ኣትለታት ‘ኦሊምፒክ

ፍሉይ እዩ’ ኢሎም እዮም ዝገልጽዎ። መሲ፦ እወ፡ ዋንጫ ዓለም ዓቢ እዩ።

ኦሊምፒክ ከኣ፡ ሓደ ዝተፈልየ መድረኽ’ዩ። ዎልፍ፦ ኣብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዓለም

በጺሕካ ዘይምዕዋትካ ይርብሸካዶ? ኣተሓሕዛ ማዕነናት ዜና’ኸ?መሲ፦ እዚ ኩሉ ግዜ ዘጋጥም’ዩ። ለሚደዮ

እየ። ግን፡ ናብ ግጥም ፍጻመ በጺሕና ኢና። ናብኡ ምብጻሕ ከምቲ ናብ ካልኣይ ዙርያ ምስጋር ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ተደጋጋሚ ኣብ ዝገበርክዎ ቃለ መጠይቓት ገሊጸዮ እየ። ዋንጫ ንኽንዓትር ኣዚና ተቓሪብና ነይርና ኢና፡ እንተኾነ ግን፡ ብጀርመን ተረቲዕና - ሓያላት ተጻወትቲ ዝነበርዋ ዓባይ ጋንታ - ልክዕ ከም ኣብ ኮፓ ኣመሪካ (ኣብ 2015 ብቺለ ዝተሳዓርናዮ)። እቲ ስዕረት ብደቀቕቲ ዝርዝራት እዩ ስዒቡ፤ ብፍጹም ቅላዕ ኢና ተፈላሊና። ማዕከናት ዜና ግን ከዕንዋኒ እየን ደልየን ነይረን፡ ልዕሊአን ደኣ ወጺአ እምበር።ዎልፍ፦ ሓሙሽተ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር

ኣለካ፡ ሓሙሽተ!መሲ፦ ፈጺመ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን’የ።

ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝገለጽኩልካ ኣብ ታሪኸይ ዝሓፈስክዎ ዓወታት ልዕሊ’ቲ ኣብ ሂወተይ ዝሓልሞ እዩ። እተን ዝዓተርክወን ዋናጩ ብእኩብ ኣመና ኣገደስቲ እየን፡ ናይ ባሎን ዲ ኦር ግን ኣዝየን እተፈልያ እየን።

ኣብ ዝመጽእ ስፖርታዊ ዓመት፡ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ናይ ምዃን ክቱር ህንጡይነት ሞሪኖ ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ቫንሃል ኣብ ማንቸስተር እንተደኣቀጺሉ እውን፡ ሞሪኖ ተደላይ ኣሰልጣኒ ምዃኑ ዘካትዕ የብሉን - ካብ ኢንዶነዥያ ጠለብ ይቐርበሉ ብምህላዉ። ኢንዶነዥያ ኣብ መሳልል ፊፋ መበል

185 እያ ተሰሪዓ ዘላ። እታ ሃገር ንሞሪኖ ዝደለየትሉ ምኽንያት፡ ካብዚ ዘላቶ መሳልል ፊፋ ንኸውጸኣ ብምባል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ኢንዶነዥያ ምቑጻር ሞሪኖ እንተዘይሰሊጥዋ ከም መተካእታኡ ንእዋናዊ ኣሰልጣኒ ቸልሲ ጉስ ሂዲንክ፡ ሓጽያ ከም ዘላ ድማ ብተወሳኺ ተሓቢሩ ኣሎ። ኢንዶነዥያ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ዝኾነ

ኣህጉራዊ ግጥማት ካብ ምክያድ ብፊፋ ተቕጺዓ እያ ዘላ። እዚ ዝኾነሉ፡ መንግስቲ ኣብ ምሕደራ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ኢዱ ብምእታዉ ምዃኑ እዩ ፊፋ ዝገልጽ። ወናኒ ክለብ ኢንተር ሚላን ኢንዶነዥያዊ

ኤሪክ ጦሂር፡ ኣብዚ ጉዳይ ኢዱ ብምእታው ንምምጻእ ዓበይቲ ኣሰልጠንቲ ኣብታ ሃገራዊት ጋንታ ይሰርሓሉ ምህላዉ ይሕበር። ሚኒስተር መንእሰያትን ስፖርትን እታ

ሃገር ኢማም ናህራዊ “ እዚ መደብ እዚ ዋላ’ኳ ከቢድ እንተኾነ፡ ምስ ፕረዚደንት ጃኮ ዊዶዶ፡ ኣቦ መንበር ኮሚተ ኦሊምፒክ ኢንዶነዥያን ኣውፋሪ ኤሪክ ጦሂርን ተዘትዩሉ እዩ፡” ኢሉ። ቀጺሉ “ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታና፡

ደቂ ሃገር ተሓጋገዝቲ ዘለውዎ ወጻእተኛ ክኸውን ከም ዘለዎ ኢና ወሲንና። ንኤሪክ ጦሂር ምስ ተወከስክዎ፡ መሃያ ሞሪኖ 250 ቢልዮን ናይ ኢንዶነዥያ ሩፍያ (13 ሚልዮን ፓውንድ) ንዓመት እዩ ኢሉኒ። ንሕና ናይ ምቅላስ መንፈስ ተጻወትና ክበራበር ኢና ንደሊ። እዚ ድማ’ዩ መነቓቕሒና። ጉዳይ ሞሪኖ ኣንተዘይሰሊጡ ድማ ጉስ ሂዲንክ፡ ” ብምባል ይውስኽ ኢማም ናህራዊ።

መደቡ እንተፈሺልዎ . . . .

ሮናልዶን መሲን

ግጥማት ላሊጋ ስጳኛ፡ ዝመጽእ ቀዳመ - ሰንበት ብዝካየድ ግጥማት ክዛዘም’ዩ። ሮናልዶን መሲን፡ ኣብዚ ስፖርታዊ ዓመት ኣብ ላሊጋ መን ዝበዝሐ ሸቶታት ኣመዝገበ? ዝብል ሕቶ ድማ ሽዑ ምላሽ ክረክብ እዩ፡ ዋላ’ኳ ሮናልዶ 33 መሲ ድማ 26 ሸቶታት ሒዞም ናብቲ ናይ መዛዘሚ ግጥማት ዝኣትዉ እንተኾኑ። ዝሓለፈ ቀዳመ - ሰንበት ኣብ ዝቐጸለ

ግጥማት ላሊጋ፡ ሪያል ማድሪድ 3ብ2 ኣብ ልዕሊ ቫለንሽያ ኣብ ዝተዓወተትሉ ሮናልዶ ክልተ ሸቶታት አመዝጊቡ። ሊዮነል መሲ ድማ ኣብ ግጥም ኣንጻር ኢስጳኝዮል ሓንቲ ብልጽቲ ሸቶ ብመንገዲ ነጻ ቅላዕ ኣመዝጊቡ። ካብተን ባርሳ ዘመዝገበተን ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ሸቶታት ድማ ሓንቲ ሰሪሑ። ኣብዚ እዋን’ዚ ላሊጋ ኣብ ምዛዛሙ

እቲ ዝመቀረ ሊግ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ፡ ኣብ መንጎ ማድሪድን ባርሳን ዘሎ ናይ ነጥቢ ፍልልይ እንኮ ብምዃና እዩ። እዞም ተጻወትቲ ኣብዚ ናይ መዛዘሚ ግጥማት ከመይ ዝበለ ኣበርክቶ ክህልዎም እዩ? ሮናልዶ ናይ ሸውዓተ ሸቶታት ጸብለልታ ኣብ ልዕሊ መሲ ኣንጺፉ ኣብ ዝኣትወሉ፡ መሲ ነዚ ንምጽባብ እንታይ ክገብር እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ምስቲ ገና ዘይተመለሰ ሻምፕዮን ላሊጋ ትጽቢት ዝግበረሉ መዛዘሚ ክኸውን እዩ።

ኩርናዕ ስእሊ

ኣሰልጣኒ ሌስተር ሲቲ ክላውዲዮ ራኔሪ ኣብ ጽምብል

Page 9: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 9መበል 25 ዓመት ቁ.218

ዮናታን ገብ

ረሂወት yog

[email protected].

er

ፕረዚደንት ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ፈረንሳዊ ሚሸል ፕላቲኒ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኵዕሶ እግሪ ቀሪቡ ንዝተመስረተሉ ክሲ ክረትዕ ብዘይምኽኣሉ ካብ መዝነቱ ክእለ ምዃኑ ተሓቢሩ፣ሚሸል ፕላቲኒ ኣቐዲሙ ብብልሽውና

ድሕሪ ምኽሳሱ ካብ ዝኾነ ንጥፈታት ኵዕሶ እግሪ ንሽዱሽተ ዓመታት ክእለ በቲ ቤት ፍርዲ ተፈሪዱ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ፣ ንሱ ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ይግባይ ወረቓቕቲ፡ ንፍርዱ ካብ 6 ዓመት ናብ 4 ዓመት እኳ እንተኣውረዶ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ከፍርሶ ብዘይምኽኣሉ ግን መዝነቱ ክገድፍ ተገዲዱ’ሎ፣ ብመሰረት እቲ ፍርዲ፡ እዚ ሓደ ካብ

ከዋኽብቲ ኵዕሶ እግሪ ዓለም ዝኾነ በዓል ስልጣን ዩዌፋ፡ ክሳብ መጋቢት 2019 ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ኵዕሶ እግሪ ከገልግል ኣይክእልን’ዩ፣ ይኹን’ምበር ግንቦት 2019 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ፕረዚደንት ፊፋ ክወዳደር ይኽእል እዩ፣ ፕላቲኒ ንዝተዋህቦ ፍርዲ ዘይፍትሓዊ ክብል ክገልጾ እንከሎ፡ ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ፊፋ ክወዳደር ዝኽእል ብምዃኑ ግና ከም ዕድል ከምዝቘጽሮ ኣረዲኡ፣ ፕላቲኒ ካብ 1999 ክሳብ 2002 ከም

ኣማኻሪ ናይቲ ብብልሽውና ተኸሲሱ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረሲደንት ፊፋ ነበር ሴፕ ብላተር ኮይኑ ብምስራሕ፡ ኣስታት 2 ሚሊዮን ዶላር ብላዕ ብምቕባሉ’ዩ ተኸሲሱ ነይሩ፣ ንቦታ ፕላቲኒ ንምትካእ፡ ከም ዋና ጸሓፊ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበረ ዴቪድ ጊል ዝኣመሰሉ ሽዱሽተ ሰባት ድሮ ተረቚሖም ኣለዉ፣

ትንግርታዊት ሸቶ ባጆ ዘይከም ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ኣብዛ ግጥም ብፍሉይ ንጋንታኡ ዘነቓቕሐ ፍጹም

ሃይለሚካኤል (ባጆ) እቲ ክልተ ሳዕ ንልዳት ደንደን ዝተፈታተነ ኣጥቃዓይ ቀይሕ ባሕሪ እዩ፣ ፈለማ ኣብ መበል 83 ደቒቕ ንፖርታ ዝፈተና ሓላው ልዳት ደንደን ስዩም ቦኽረጼን ተወርዊሩ ኣድሒኑዋ፣ ኣብ ካልኣይቲ ፈተነኡ ግና ኣይተኽእለን - ንኹሉ ተዓዛቢ ኣቕዚዙ እዩ፣ ንደንደን ዘርብሕ ማዕረ ውጽኢት ተመዝጊቡ እናተባህለ፡ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ኣብ እግሪ ንዝበጽሐት ኵዕሶ ተቘጻጺሩ፡ ንተጻወትቲ ኣሽኪዑን ንሓላው ልዳት መዚኑን እትንኣድ ሸቶ ኣመዝጊቡ፣ እቲ ካብ ዝቐነዮ ዝተበራበረ ኣጥቃዓይ ሻዱሸይቲ ሸቶኡ ናይዚ ዓመት ብምቑጻር እዩ ንደገፍቲ ከም ዓሚ ብሓጎስ ከሰራስር ተራእዩ፣ ውሕሉል ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ክእለቱ ብግቡእ ዝተንጸባረቐላ እያ፣ ዝሓለፈ ዓመት ብ19 ሸቶታት ዝለዓለ ኣመዝጋቢ’ዚ ውድድር ዝነበረ ሃዳናይ ሸቶ - ፍጹም፡ ካብ ዝኽሪ ተዓዘብቲ ዘይሃስስ ፍጻመታት ሸቶ ምስናድ ሎሚ ናይ ፈለማኡ ኣይኮነን፣

ዘይተሰዓርነት ደንደን ዘኽተመሉ ‘ደርቢ ዞባ ማእከል’ብሰንበት ስታድዩም ኣስመራ ዘአንገዶ ግጥም ቀይሕ ባሕርን ደንደንን ብደረጃ ዞባ ማእከል ጥራይ ዘይኮነስ ብደረጃ ሃገር እቲ ዝረዘነ ጸወታ

ኵዕሶ እግሪ ናይዚ ዓመት ነበረ፣ ስለዝኾነ ድማ ሓያለ ተዓዘብቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም፡ ንርክብ ክልቲአን “ደርቢ ዞባ ማእከል” ዝብል መጸውዒ ከጠምቑዎ ይስምዑ ኣለዉ፣ ልዕሊ ኹሉ ናይ ምዕዋት መንፈስ ተጻወትቲ፡ ኣሰልጠንቲን ኣካየድቲን እዘን ጋንታታት፡ ኣብ መንጎአን ንዝፍጠር ተወዳዳርነት ካብ ዘሐይል ባእታ ሓደ እዩ፣ ብሓጺሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መስመራት - ምክልኻል፡ ምክፍፋልን ምጥቃዕን ካብ ዝስለፉ ተጻወትተን መን ካብ መን ይበልጽ? ኣየናይ ኣሰልጣኒ ላዕለዋይ ኢድ ይሕዝ? እንታይ ታሪኽ ይስነድ? ዝብልን ካልእን ነጥብታት ዘለዓዕል ጸወታ እዩ፣ ኣብቲ ብተዛማዲ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት ዝተረኽቡሉ ናይ ትማሊ ሰንበት ግጥም ከኣ ኣብ ማእከል ሜዳ ዓብላሊት ዝነበረት ደንደን

እኳ እንተኾነት፡ ኣብ ናይ ትማሊ ሕታምና ከምዝተገልጸ ወሳኒ ነጥቢ ዝኸሰበት እታ ወትሩ ዓወት ዘይፍለያ ቀይሕ ባሕሪ እያ፣ ስታትስቲካዊ ጸብጻብ እቲ ግጥም ምስ እንምልከት፥ ብሓፈሻ ቀይሕ ባሕሪ 4 ደንደን 2 ፈተነታት (goal attempts) ኣካይደን፣ ኣብ ንዕላማ

ዘቕንዓ ፈተነታት ሸቶ (shoot on target) ድማ ናይ ደንደን 4 ናይ ቀይሕ ባሕሪ 2 ነይረን፣ ቀይሕ ባሕሪ ፍርቂ ናይ ደንደን ማለት ክልተ ግዜ ኵዓሳሱ ንዕላማ ልኢኻ፣ ሓንሳብ ከኣ ሰሊጡዋ - ተርግእ ወቒዓ፣

በዅሪ ሱታፌ ትስፉዋት ተጻወትቲ ኣብ ግጥም ደርቢ ኣብቲ ረዚን ግጥም ብወገን ክልቲአን

ጋንታታት ብዕድመ ንኣሽቱ ትስፉዋት ተጻወትቲ ኣብ ሜዳ ተቐልቂሎም እዮም፣ ካብዚኦም፡ ኣባላት ደንደን - እዮብ ግርማይን ኣቤል ዑቕባይ (ኪሎ)ን ብፍሉይ ይጥቀሱ፣ ክልቲኦም ብሓባር ሎሚ ዓመት እዮም ካብ ካልኣይ ዲቪዥን ናብ ሱፐር ዲቪዥን ኤ ተሰጋጊሮም - ብብሉጽ ብቕዓቶም ጠለብ ዓባይ ክለብ ደንደን ብምርካቦም፣ እዮብ ካብ’ታ ሻምፕዮን ዝኾነት ደንደን ‘ቢ’፡ ኣቤል ድማ ካብ ጋንታ ጸጸራት፣ እዚ ናይ ፈለማኦም መድረኽ እኳ እንተኾነ፡

ብፍጹም ኣይተጋየሹን፣ ማዕረ’ቶም ገዳይም፡ እንሓንሳብ’ውን ልዕሊኦም ብብቕዓት ጸወታኦም ከሰላስሉ ተራእዮም፣ ኣቤል ኣብ ዝኾነ ቦታ ተሰሊፉ ክጻወት ዘይጽገም ተጻዋታይ ኮይኑ፡ ምስ ዘሎ ሃጓፍ ጋንታኡ ኣብ የማናይ ምክልኻል እዩ ዝስለፍ ዘሎ፣ ቅልጡፍን ክኢላን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሓያል መኸተ ዘርኢ ዓንተር ተጻዋታይ እዩ፣ እዮብ ብወገኑ ኣብ መስመር ምክልኻል እንክስለፍ፡ ኣብ ጸቢብ ተጻዊቱ ክወጽእ ዝኽእል፡ ቀረብ ሸቶ ዝህንድስ፡ ኵዕሶ ተቘጻጺሩ ዝዝርግሕን ስምረት ማእከል ሜዳ ብምሕላው ንቕድሚት ፈተነ ከካይድ ዘይጽገምን ተጻዋታይ እዩ፣ ክልቲኦም ማልያ ደንደን ወድዮም፡ ግጥም ደርቢ ኣብ ዝተሰምየ ረዚንን ወሳንን ጸወታ ኣንጻር ሻምፕዮና ቀይሕ ባሕሪ (ኣቤል ካብ ፈለማ፡

ኢዮብ ተቐይሩ) ተሰሊፎም ዘርኣዩዎ ምንቅስቓስ ድማ ብደረጃ ሃገር ተስፋ ዘለዎም ተጻወትቲ ምዃኖም ዘረጋግጽ ነይሩ፣ እዮብን ኣቤልን ኣባል ናይታ ኣብ 2010 ንኤርትራ ወኪላ ኣብ ውድድር ህጻናት ስካንዲናቭያ ዝተሳተፈት ዕውትቲ ክለብ ዋርሳይ ምንባሮም ኣይርሳዕን፣

ፕላቲኒ . . .ባየርሙኒክ ብቐዳም ንኢንጎስታድ

ኣብ ዝረትዓትሉ ግጥም፡ ናይዚ ዓመት ዘውዲ ሻምፕዮንነታ ኣረጋጊጻ እያ፣ እዛ ዓርሞሽሽ ጀርመናዊት ክለብ ካብ ሮቤርቶ ለዋንዶውስኪ ብዝረኸበተን ክልተ ሸቶታት ተሓጊዛ እያ ካብታ ዓዳሚት ጋንታ ሰለስተ ነጥቢ ብምውሳድ፡ ንመበል 25 ግዜኣ ሻምፕዮን ቡንደስሊጋ ክትከውን

-1 ሸቶ ንታሪኻዊ ፍጻመ ለዋንዶውስኪዝበቕዐት፣ ኣብቲ መበል 27 ጸወታ ቡንደስሊጋ

እዚ ዓመተ-ውድድር ዝተኣንገደሉ ዕለት፡ ለዋንዶውስኪ ጋንታኡ ባየርሙኒክ ንራብዓይ ተኸታታሊ ዓወት ሊግ ከተረጋግጽ ዘኽእልኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንዕኡ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ዝሓዘ ተጻዋታይ ክኸውን ዘቃረባኦ ሸቶታት እዩ ኣመዝጊቡ፣ ንሱ መበል 28፡ 29 ሸቶታቱ ብምቑጻሩ፡ ኣብ ውድድር ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ናይቲ ሊግ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ኣሎ፣ ንናይ ቦሩስያ ዶርትመንድ ኣጥቃዓይ ፔረ ኢመሪክ ኦባመያንግ ብኣርባዕተ ሸቶታት ሓሊፉዎ ይርከብ፣ብዓቢኡ 29 ሸቶ በጺሑ ብምህላዉ፡ ኣብ

ውሽጢ 39 ዓመት ኣብ ሓደ ናይ ውድድር ወቕቲ 30 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ ቀዳማይ ተጻዋታይ ቡንደስሊጋ ብምዃን ታሪኻዊ ፍጻመ ክስንድ ተቓሪቡ ኣሎ፣ እዚ ፖላንዳዊ ተጻዋታይ ነዚ ክዉን ክገብር እንተደኣ ኾይኑ፡ ኣብ ዝስዕብ ዛዛሚ ጸወታ እንኮ ሸቶ ክሕተት እዩ፣ ባየር ሙኒክ ናይ ሊግ ዓወታ ካብ ኮነ

ድማ ምሉእ ኣተኩሮ ለዋንዶውስኪ 30 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ካብቲ ኣብ 1976-77 ዓመተ-ስፖርት 34 ሸቶታት ብምቑጻር ክብሪ ዝረኸበ ዴተር ሙለር ንነጆ ናይ መጀመርታ ኣጥቃዓይ ናይ’ዚ ዲቪዥን ከምዝኸውን ርዱእ እዩ፣ኣብዚ እዋን ድሮ ምስ ክብሪ ናይቲ

ኣብ 2011-12 ናይ ውድድር ወቕቲ 29 ሸቶታት ዘመዝገበ ኣጥቃዓይ ሻልከ ክላስ-ያን ሃንትለይ ዝተመዓራረየን ነዚ ብዝሒ ዝበጽሐ ካልኣይ ወጻእተኛ ተጻዋታይ ኣብ ታሪኽ ቡንደስሊጋ ዝኾነን ለዋንዶውስኪ፡

“ኣብ ልዕሊ መወዳድርተይ ዝያዳ ኣርባዕተ ሸቶ ኣለኒ፡ እንተኾነ ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ብምስጓም ናብ 30 ክብ ከብሎ እየ ዝደሊ፣ ክገብር ከምዝኽእል ከኣ ተስፋ እገብር” ክብል፡ ተዛሪቡ፣ ለዋንዶውስኪ ኣብ ናይ መወዳእታ

ዓመቱ ምስ ቡርስያ ዶርትመንድ ብ20 ሸቶታት ናይ 2014 ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ብምዃን፡ ነቲ ብ “ቶርያገርካኖን” ዝፍለጥ ሽልማት ተዓዊቱሉ ነይሩ፣ ዝመጽእ ቀዳም ባየር ሙኒክ ነታ ምምላሳ

ዘፍለጠት ኣብ ድሕሪት መበል 18 ደረጃ እትርከብ ሃኖቨር 96 ዓዲማ እተካይዶ ናይ መጨረሽታ ግጥም፡ ለዋንዶውስኪ ሃድን ሸቶ ዘካይደሉ ጸወታ እናተባህለ ይግለጽ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ይሕብሩ፣

ኣጥቃዓይ ባርሴሎና ሊዮነል መሲ፡ ንሱን ደገፍቲ ጋንታኡን መቐናቕንቶም ክለብ ሪያል ማድሪድ ንዓመተ ውድድር 2015-16 ብዘይዋንጫ ክትዛዝሞ ከምዝደልዩ ገሊጹ፣ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲ ሽልማት ባሎን

ዲ ኦር - መሲ፡ ነታ ብዘይነዲን ዚዳን እትስልጥን ጋንታ ኣንጻር ጓል ከተማኣ ኣትለቲኮ ማድሪድ ኣብ እተካይዶ ግጥም ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ኢዳ ሂባ ክትተርፍ ተስፋ ኣንቢሩ ኣሎ፣ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክብሪ ሻምፕዮንነታ

ንምዕቃብ ኣብ ዘካየደቶ ቃልሲ ዘይሰለጣ ባርሴሎና፡ ዓብላልነት ሪያል ማድሪድ ኣብ ውድድር ጽዋእ ሻምፕዮንስ ሊግ መን ዓተረ ንኸይቅጽል ዘለዋ ስግኣት ኣብታ ቀዲማ ዝገለፈታ ኣትለቲኮ ማድሪድ እዩ ዝምርኮስ፣ ኣብ ኢድ’ዛ ካብ ውድድር ዋንጫ ላ’ሊጋ ዝተገለፈት ክለብ ስለዘሎ ኸኣ መሲ ምስ ኣትለቲኮ ዝኾነ ቅርሕንቲ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ንማድሪድ ከሰንፉዋ ከምዝኽእሉ ትጽቢቱን እምነቱን የረድእ፣ “ኣብ ባርሴሎና ዘሎ ህዝቢ፡ ሪያል

ማድሪድ ዝኾነ ይኹን ዓወት ተጓናጺፋ ክርእያ ከምዘይደሊ ንጹር እዩ፣ ስለ’ዚ ኣብ

ዝመጽእ ግጥም ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ፡ ኣትለቲኮ ንዕኦም እንተደኣ ስዒራቶም፡ ንባርሴሎና ዓቢ ደስታ እዩ፣” ክብል፡ ምስ መርበብ ሓበሬታ ኢኤስፒኤን ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ፣ ኣትለቲኮ ማድሪድ ኣብዚ ዓመት ክሳብ

ለይቲ ሎሚ ከርእይዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ሓያል ተወዳዳርነት ብዓቢ ኣድናቖት ዘጸውዖም ምዃኑ ዝገለጸ እዚ ድንቂ ተጻዋታይ፡ ኣትዓብቲ ከምዝኾኑ ብምርዳእ ብዘንጸባረቕዎ ልዑል ብቕዓት ንዲየጎ ሲሞነ ክብሪ ዝግብኦ ምዃኑ ኣስሚሩሉ፣ባርሴሎና፡ ኣትለቲኮን ሪያል ማድሪድን

ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ዋንጫ ላ’ሊጋ ናብ ከብሐን ንምእታው ብማዕረ ክመጣጠራ ምጽንሐን ይፍለጥ፣ እንተኾነ ኣብ ናይ ቀዳመ-ሰንበት ግጥማት ስዕረት ዝወረዳ ኣትለቲኮ ካብ ናይ ዋንጫ ቅልስ ክትወጽእ ተራእያ፣ እቲ መድረኽ ኣብ መንጎ ባርሳን ሪያል ማድሪድን ጥራይ ካብ ተሓጽረ እምበኣር፡ 28 ግንቦት ዘውዲ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ናይ ምድፋእ ጥሙሕ ኣትለቲኮ ማድሪድ እምብዛ ከምዝዓቢ ብዓንተቦኡ ይትንተን፣

መሲ

ክላውዲዮ ራኔሪ ብቕድሚ ትማሊ ዝበለጸ ኣሰልጣኒ ኵዕሶ እግሪ ኢጣልያ ናይዚ ዓመተ-ስፖርት ኮይኑ ተሸሊሙ፣ እዚ ኣሰልጣኒ ነዚ ክብሪ ክረክብ ዝኸኣለ፡ ኣብ መድረኽ’ቲ ዝለዓለ ተፈታውነት ዘለዎ ርእሰ ሊጋት ኤውሮጳ - ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ንሌስተር ሲቲ መሪሑ ንብምሉኡ ኣፍቃሪ ስፖርት ዓለም ብዘገረመ መልክዕ ፍሉይ ፍጻመ ክስንድ ብምብቅዑ እዩ፣ወዲ 64 ዓመት ራኔሪ፡ ንጽዋእ ዝዓበየ

ሽልማት ኵዕሶ እግሪ እንግሊዝ ምስ ኣልዓለ፡ ንናይ ኢጣልያ ሽልማቱ ክቕበል ኣብ ካልኣይ መዓልቱ እዩ ናብ ከተማ ሮማ ኣምሪሑ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንንኣሽቱ ስፖርታውያን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ቀዳማይ - ኢድኩም ኣይትሃቡ፡ ካልኣይ - ኩሉ ሳዕ ንቕድሚት ምስጓም ብዕቱብ ቀጽሉዎ፡ ሳልሳይ - ንስፖርት ከም ገንዘብ ትረኽቡሉ ነገር ገይርኩም ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕብረትን

ጥምረትን እትረኽቡሉ ዓውዲ ምዃኑ’ውን ሕሰቡ” ዝብል፡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፣ሽልማት ኢንዞ ቢርዞት ኣብ 2011

ካብ ዝተኣታቶ ንንዮ፡ ራኔሪ ድሕሪ ካርሎ ኣንቸሎቲ ካብ ውሽጢ ኢጣልያ ወጻኢ ንዝርከባ ጋንታታት ዓሊሙ ዝተዓወተ ኣሰልጣኒ እዩ፣ ኪንዮ እዚ፡ ካብ ሃገሩ ፍሉይ ዓቢ ሽልማት ክወሃቦ ከምዝተኣመመ እውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማቲው ረንዚ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቡ፣ ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን

ኵዕሶ እግሪ ኢጣልያ ካርሎ ታቨቺዮ፡ ፍሱህ ኣሰልጣኒ ሌስተር ሲቲ - ራኔሪ፡ መዓስ ብዘየገድስ ሓደ መዓልቲ ንመበቈል ሃገሩ ኢጣልያ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ከዐውታ ከምዝኽእል እምነቱ ገሊጹ፣

ኣብ ዕረፍቲ ዘሎ ኣሰልጣኒ ቸልሲ ነበር ጆሰ ሞሪኖ፡ ናብ ኵዕሶ እግሪ ተመሊሱ ሓገዙ ንኣጀንዳ ላዕለዋይ ምምሕዳር ኵዕሶ እግሪ ዓለም ከበርክት ብፕረዚደንት ፊፋ ጃኒ ኢንፋንቲኖ ደገፍ ረኺቡ፣መዝነት ምስልጣን ዓባይ ክለብ

ማንቸስተር ዩናይትድ ተረኪቡ ኣብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመተ ውድድር ፕሪመር ሊግ ክቕልቀል ምዃኑ ዝንገረሉ ሞሪኖ፡ 200 ስሙያት ገዳይም ተጻወትቲ ዓለም ንዝጠርነፈት ጋንታ ክኣሊ እዩ ተመዚዙ ዘሎ፣ እዞም ብሞሪኖ ዝእለዩ ገዳይም ተጻወትቲ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም

ደገፍ ኢንፋንቲኖ ዝረኸበ ሞሪኖ

እናዘሩ ግጥማት ዘካይዱ ኮይኖም፡ ፊፋ ኣብ ዘሕልፎ ውሳነታት ኢድ ክህልዎም እዩ፣ ኣብ ዘመነ ስልጣን ሰፕ ብላተር፡ ርእይቶ ገዳይም ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ዓለም ኣቓልቦ ይወሃቦ ኣይነበረን፣ ሎሚ ግን እዞም ሞሪኖ ዝቈጻጸሮም ተጻወትቲ ኣብ ውሳነታት ፊታ ተራ ከምዘለዎም ኢንፋንቲኖ የነጽር፣ ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ከተማ ሜክሲኮ ኣብ ዝቃናዕ ጉባኤ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ዓለም፡ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ንመደብ ናይታ 200 ገዳይም ተጻወትቲ ዝጠርነፈት ጋንታ ከፍልጥ እዩ፣ ኣብ እዋን መስርሕ ፕረዚደንታዊ

ምርጫ ፊፋ ንኢንፋንቲኖ ደገፍ ዝሃበ ሞሪኖ፡ ንደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ህቡባት ተጻወትቲ ፊፋ ንምእላይ፡ ትማሊ ናብ ሜክሲኮ ከምዘምርሐ ይንገር፣ ናይ ቅድም ኮኾብ ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናትድ ዲዋይት ዮርክን ማርሰል ደሳይሊን፡ ፋቢዮ ካናቫሮ፡ ሚያ ሃም፡ ሳሙኤል ኤቶ፡ ክላሪንስ ሲዶርፍን ሉዊስ ፊጎን ኣባል ናይታ ንጸወታ ዝቐረበት ናይ ደቂተባዕትዮ ጋንታ ነይራ፣

እዮብ ግርማይ ኣቤል ዑቕባይ (ኪሎ)

Page 10: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 10መበል 25 ዓመት ቁ.218

ደሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደ

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ በላይነሽ ኣሰላሽን ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ ኣስመላሽ ኣብርሃ ኣስራትን ዘሎ ናይ ስም ምትሕልላፍ ክሲ፡ ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ ኣቶ ኣስመላሽ ኣብርሃ ኣስራት ካብ ዘለኹሞ ን26/5/16 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ቁ.39 ቅረቡ። እንተዘይቀሪብኩም ጉዳይኩም ኣብ ዘየለኹምሉ ተራእዩ ክውሰን ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳ

ወ/ሮ ውዳሰ ገረሱስ እልፉ፡ ወላዲተይ ወ/ሮ ኣረጋሽ ምስግና ስለዝሞተ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማእከል ከተማ

ኣቶ ኣልጠይብ ዓብደላ ስዒድ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ኣወጣሽ ወልደሚካኤል ተመልሶ ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

ወ/ሮ ጽገሃና ገብረማርያም ክፍለማርያም በዓል ቤተይ ኣርኣያ ተኽለ ነማርያም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሓረጉ ተዓደል ጊላሚካኤል በዓል ቤተይ ኣቶ ወልደገብርኤል ወልደኣብ ኣድሓኖም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ይርጋኣለም ባህልቢ ግርማጽዮን፡ ኣደና ሳራ ገብረእግኣብሄር ኣባድ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 7 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሂወት ኢሳቅ ሓድጉ፡ ኣደና ለተርፍኤል ኣርኣያ ገብረሚካኤል ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ሰምሃር ተስፋይ ቦኽሩን ተኸሳሲ ኣቶ ተስፋዝጊ ዳዊት ኣርኣያን ዘሎ ናይ ሓዳር ክርክር፡ በዓል ቤተይ ሓዳሩ ገዲፉ ካብ ሃገር ካብ ዝወጽእ ልዕሊ 2 ዓመት ኮይኑ ደቅና ባዕለይ ክኣሊ ኣብ ጸገም ይርከብ ኣለኹ። ስለዚ ተጸዊዑ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪብካ ጉዳዩ ክውሰን ምዃኑ ነፍልጥ።

ወ/ሮ ግደይ ዘርኣይ ጊላሚካኤል፡ ኣብርሀት ሰለሙን ሓጎስ ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብርሃም ክፍሎም ጊላሚካኤል በዓልቲ ቤተይ ተጋዳሊት ኣሰፋሽ ያሬድ ዑቕባዝጊ ስለዝተሰውአት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቃ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኤልሳ ገብረኪዳን በዓል ቤተይ በረኸት ቅዱስ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሚልኮል ማና ዮውሃንስ፡ ወላድየይ ኣቶ ማና ዮውሃንስ ዑቕባይ ስለዝሞተ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ትብለጽ ገብረሚካኤል ኣጽብሃ በዓል ቤተይ ቀሺ ተስፋገርግሽ ሓጎስ ገብረመስቀል ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5

ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ሰመረ ክብሮም ተወልደ፡ ኣደና ክብራ ኣብርሃ የዕብዮ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ረዘነ ኣስገዶም፡ ኣቦና ኣስገዶም ሰረቐ በራኺ ስለዝሞተ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቢሰሎም ዮሴፍ ተስፋይ፡ ወላድየይ ዮሴፍ ተስፋይ ኣረፈ ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ጥራይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ

ፖራዲዞ ጸጸራት

ወ/ሮ ኣብርሀት ገብረመድህን ካሕሳይ፡ ናይ ጥፍእቲ ሓፍተይ ወ/ሮ ደሃብ ገብረመድህን ካሕሳይ ኣነ ምስ ሓወይ ኣቶ የውሃንስ ገብረመድህን ካሕሳይ ወረስታ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ከሳሲ ኣቶ ፍጹም ተወልደመድህን ገ/መድህን፡ ተኸሳሲት በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ነጻነት ሃይለሚካኤል ተስፋእዝጊ ድሕሪ መርዓና ንደቡብ ሱዳን ጁባ ኢላ ምስ ከደት ደሃይ ስለዘይገበረት ከምዚ ኢለ ድማ ክጽበ ስለዘይክእል ትጸውዓለይ ስለዝበሉ፣ ተኸሳሲት ወ/ሮ ነጻነት ሃይለሚካኤል ተስፋእዝጊ ባዕላ ወይ ሕጋዊ ወኪላ፡ ን9/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ትቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓደውሒ

ኣቶ ገብረኣብ ወለገርግስ፡ ሓውና ወለኣብ ወለገርግስ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ዓንሰባ ከረን

ዮውሃና በርሀ ዑቅባጽዮን ምባል ተሪፉ፡ ዮሃና በርሀ ዑቅባጽዮን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ መንደፈራ

ወ/ሮ ርግበ ኣደናይ ግደይ ምባል

ተሪፉ፡ ርግበ ኣደናይ ግደ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን1/6/16 ኣብ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ይቕረብ።ወ/ሮ ሰሚራ ኣደም መሓመድ

ምባል ተሪፉ፡ ሰሚራ ኣደም ኣሕመድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ መንደፈራ

ወ/ሮ ጸጋ ዑቕባገርግስ ንጉሰ በዓል ቤተይ ኣቶ ጸጋይ ኣርኣያ ኣፍድዮም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ጎይትኦም የማነ ብርሃነ፡ ዓባየይ ነፍ/ቁዱሳን ሳምሩይ ገብረሙሴ ብሂወት ከላ ኣብ ዓዲ ባሪ ዝርለብ 420 ሜ/ትርብዒት መሬት ጤሳ ዝተደኮነ 1 ክፍሊ መንበሪ ገዘአን ኣብ ቤ/ፍ ዞ/ደ/መንደፈራ ቀሪባ ብስ/ሕ/ዓ 880/881 ብዝፈቐዶ መሰረት ለበዋ ስለዝሃበትኒ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ተሰማ ጌደ መዓሾ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ብርጭቆ ፍስሃየ ተኽለ ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን1/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ቤ/ፍ ውሳኔኡ ክህብ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ደቀምሓረ

ተጋ/ክብርኣለም ፍትዊ ኣስፍሃ በዓልቲ ቤተይ ተጋ/ጽገ ግርማይ ዘገየ ስለዝተሰውአት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 8 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ሰንዓፈ

ወ/ሮ ምዘወይኒ ገብረመድህን ብርሃነ በዓል ቤተይ ተኽለ ተኪኤ ኣረጋይ ስለዝተሰውአ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቁ ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዝባንደብሪ

ወ/ሮ ነባይት ወልደሚካኤል ወልደገርግስ በዓል ቤተይ ኣቶ የዕብዮ ክፍለ ይሕደጎ ስለዝተሰውአ፡

ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ መለብሶ

መዲና መሓመድኖር ሕመድ በዓል ቤተይ ሳልሕ ኣድም ስሌማን ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቆም ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ደግራልብአ

ወ/ሮ ጽገወይኒ ዑቕባሚካኤል ዮውሃንስ በዓል ቤተይ ሲ/ተጋ/ግርማይ ምሕረትኣብ ተዓረ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ክብራ ኪዳነ ክፍላይ በዓል ቤተይ ኣቶ ተስፋማርያም ተድላ ሓጎስ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቆም ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሓውሲ ከተማ እንዳገርግሽ

ወ/ሮ ሚዛን ካሕሳይ ደስታ በዓል ቤተይ ሃይለ ወልዳይ ሳህለ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 11 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ጋሽ ባርካ ባረንቱ

ኣቶ መሓመድ መሓመድኑር ኢብራሂም ምባል ተሪፉ፡ መሓመድ መሓመድኑር ዓውተ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ተሰነይ

ፌቨን የውሃንስ ኣብርሃ ምባል ተሪፉ፡ ብስራት የውሃንስ ኣብርሃ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 11: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 11መበል 25 ዓመት ቁ.218

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ተሰነይ ዞባ መስከረም

ወ/ሮ ማህሌት ብርሃነ ተወልደብርሃን በዓል ቤተይ ርእሶም ወንድህነይ ሃብተ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቁ ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪብኩም ጉዳይ

ብቤ/ፍ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ወ/ሮ ሸዊት ምሕረትኣብ ዓንደመስቀል በዓል ቤተይ ክፈይ ክፍላይ ሃይላይ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪብኩም ጉዳዮም ቤ/ፍ ክሪኦ ምዃኑ ንሕብር።

European Union The State of EritreaMinistry of Energy & Mines UNDP

PROJECT: Solar PV Mini-Grid Areza-Maidma, Asmara, Eritrea

Contract Title: Supply of Electricity Distribution Materials/Equipment for the Areza Maidma Solar PV Mini-Grid ProjectLocation – Areza-Maidma/Southern Debub region, Eritrea

Publication reference: EuropeAid/137890/IH/SUP/ERThe Government of the State of Eritrea represented by the Ministry of Energy and Mines, as Contracting Authority intends to award a supply contract for supply of electricity distribution materials/equipment, delivery and unloading at the port of Massawa for Solar PV Mini-Grid system to supply power for two rural towns of Areza, Maidma and surrounding villages.

Mr. Tesfai GheberehiwotProject Manager and Director, Renewable Energy

CentreMinistry of Energy and MinesP.O. Box 5285.Asmara, Eritrea

Tel: +291 1 117579; Fax:+291 1 127652E-mail: [email protected]

and will also be published on the EuropeAid and will also be published on the EuropeAid website:https://webgate.ec.europa.eu/europeaid/online-services/

index.cfm?do=publi.welcome. The deadline for submission of tenders is June 30th, 2016; at 17:00 hrs Local time.Possible additional information or clarifications/questions shall be published on the EuropeAid website:https://webgate.ec.europa.eu/europeaid/online-services/index.cfm?do=publi.welcome and Local News Paper “Eritrean Profile and Haddas Eritrea”.

Vacancy AnnouncementThe Office of Refugee Affairs (ORA) and the United Nations Higher Commissioner for Refugees (UNHCR) in Eritrea are inviting applications from suitable qualified candidates for the following vacant post.

Post Title: Secretary1. Duty Station: MassawaSalary: As per the existing scale

Duties2. : Type- report produced by the office Word- process all letters, documents and proposalsRecord- , data stamp and distribute all incoming mailProcess- outgoing mail.File- all correspondenceComplies- and maintain an up to date telephone directory of numbers and addresses Perform- all other office related activities.Fluency- in EnglishExcellent- interpersonal skillEffective- communication skill

Qualification3. Education- – 12th grade and aboveAge- – 25 and aboveMinimum- of 2 years of previous job experience relevant to the function

National4. service: - candidates should provide certificate of exemption/completion from national service.

Application must be submitted with relevant documents. Submission must be delivered to Office of Refugee Affairs (ORA) located behind Bahti Meskerem within 7 working days from date of publication. Only short listed candidates will be contacted for interview.

ምልክታ ጨረታ

ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ክ/ኢ/ዜግነትን ዝርከብ ቤ/ጽ/ጉ/ስደተኛታት ኣብ ባጽዕን ዓዲ ጓዕዳድን ዝርከብ መኽዘን ምንጻግ ጸረ-ባልዕ ከካይድ ስለዝደለየ ግዱሳት ተጫረትቲ ይዕድም፣ክማላእ ዝግብኦ

ተጫረቲ ዝተሓደሰ ናይ 2015 ቅዳሕ ንግዲ ፍቓድን መንነት ወረቐትን 1. ኣተሓሒዞም የቕርቡ፣

ተወዳደርቲ መጫረት ሰነድ 100 ናቕፋ (ዘይምለስ) ብምኽፋል ካብ ቤ/ጽ/ጉ/2. ስደተኛታት ይወስዱ፣

ተወዳደርቲ መኽበሪ ጨረታ ብሲፒኦ (CPO) 10% ናይ ዘቕርብዎ ዋጋ 3. የትሕዙ፣

ምልክታ ጨረታ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ን5 (ሓሙሽተ) ናይ 4. ስራሕ መዓልታት ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ ሰዓት 10።00 ቅ.ቀ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት፣

ቤ/ጽ/ጉ/ስደተኛታት ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብኸፊል ይኹን 5. ብምሉኡ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ’ዩ፣

ቤ/ጽ/ጉ/ስደተኛታት

ኣድራሻና።- ድሕሪ ባሕቲ መስከረም ጎደና ምጽዋዕ ቁጽሪ ቴለፎን 112171 ወይ 125738

ምልክታ

ኣቶ ሳሙኤል ተኪኤ ረዘነ ዝተፈቕደሎም ናይ መውዓሊ ህጻናት ንግዳዊ ትካሎም ‘ጆሊ መውዓሊ ህጻናት’(JOLLY KINDERGARTEN) ምባል ተሪፉ ‘ካንታሪ መውዓሊ ህጻናት’ (KANTARI KINDERGARTEN) ተባሂሉ ክስየመሎም ስለዝሓተቱ፡ እዚ ናይ ንግዲ ስም ቅድሚ ምምዝጋብና ዝቃወም ኣካል እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ መአገዲ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ንግዲ ስም ከምንምዝግቦ ነፍልጥ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ

ምልክታ

ኣብ ዞባ ማእከል ማእከል ከተማ ጎደና ሰራየ ቁጽሪ ገዛ 53 ቁጽሪ ፍቓድ ዋኒን፦

ASL00006705 ብስም ወ/ሮ ሕኩሙ ኢብራሂም ዝተመዝገበ ናይ ኤሌትሮኒክስ

መሽጥን መዐረይን ትካለይ ንኣቶ ስዒድ ኢብራሂም ሓጎስ ብውህብቶ ሂበዩ ኣለኹ።

ብስም ወሃቢት ዝኽፈሎ ዕዳ ኣለኒ ወይ ይግባኣኒ እዩ ዝብል ኣካል እንተደኣ ሃልዩ፡ እዚ

ምልክታ እዚ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤት ፍርዲ

ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ ናብ ስም ውህብቶ

ተረካቢ ከምነማሓላልፎ ነፍልጥ።

ወ/ሮ ሕኩሙ ኢብራሂም ሓጎስ

Page 12: ዕብየት ብትምህርቲ ይረጋገጽ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11052016.pdfሊዮነል መሲ. ... ከማእዝን ዝኽእል መሳርሒ ብምዃኑ።

ሓዳስ ኤርትራ 11 ግንቦት 2016 - ገጽ 12መበል 25 ዓመት ቁ.218

Sabur Printing ServicesSabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ዕለት ፋርማሲ ኣድራሻ ቁ. ስልኪ 11-05-2016 ቤት መሸጣ መድሃኒት ኣቡነ -ኣረጋዊ ጎደና ዳህላክ ልዕሊ እንዳ መሎቲ ፋብሪካ ቢራ ስታንታኦቶ 07139947

ኣብ ሰሜናዊ ሩዋንዳ ከቢድ ዝናብ ብምህራሙ፡ 53 ሰባት ብዕልቕልቕን መደራጋሕን ከምዝሞቱ ሰብ መዚ ናይ’ታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሮም።ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ቈልዑን

ሽማግለታትን ኮይኖም፡ ኣብ ኣባይቶም እንከለዉ ብመደራጋሕ ተደፊኖም ከምዝሞቱ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። በቲ ሓደጋ ኣብ ትሕቲ ጎቦታት ተደኲኑ

ዝነበረ ልዕሊ 500 ኣባይቲ ክዓኑ እንከሎ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ከቢድ ሃስያ ከምዝወረደ ካብ ኪጋሊ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣነጺሩ።ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ከተማ ኪጋሊን

ከባቢኣን ብመደራጋሕን ዕልቕልቕን ህይወት 70 ሰባት ከምዝጠፍአ ይዝከር።

ዜጋታት ሩዋንዳ ኣብ ጸቢብ ቦታታት ብጻዕቂ ስለዝነብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ጎቦታት ከይተረፈ ሓያሎ ከተማታት ተደኲነን ምህላወን ይፍለጥ። በዚ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ እዋን ብርቱዕ ዝናብ ብዝኽሰት መደራጋሕ ብቐጻሊ ህይወት ሰባት ይጠፍእ።ዝሓለፈ ዓመታት መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ

ተኣፋፊ ቦታታት ከምዝነብሩ ዝገለጾም ገለ ዜጋታት ናብ ዝሓሸ ቦታታት ከምዘግዓዞም’ዩ ዝግለጽ።ኣብዚ ወቕቲ’ዚ ኣብ ምብራቓዊ

ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ኤል-ኒኖ ዝተባህለ ዘይንቡር ኩነታት ኣየር፡ ጠንቂ ብርቱዕ ዝናብን ህቦብላን ኮይኑ ምህላዉ ክኢላታት ሜትዮሮሎጂ ይሕብሩ።

ሩዋንዳ - ብዕልቕልቕ 53 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኣፍጋኒስታን ንሰለስተ ዓመት ብዕጡቓት ናይ’ታ ሃገር ጅሆ ተታሒዙ ዝጸንሐ ዓሊ ሓይደር ጀላኒ ዝተባህለ ፓኪስታናዊ፡ ብዕዉት ወተሃደራዊ ስርሒት ናጻ ከምዝወጸ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ሓቢሮም።እቲ ወዲ ቀዳማይ ሚኒስተር

ፓኪስታን-ነበር ምዃኑ ዝተጠቕሰ ውልቀ-ሰብ፡ ኣብ 2014 ድሕሪ ምጭዋዩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዞባ ቓዝኒ ናይ ኣፍጋኒስታን ጅሆ ተታሒዙ ከምዝጸንሐ ኣልጀዚራ ሓቢራ።እቶም ዕጡቓት ነቲ ግዳይ ንምልቃቕ

ዘቕረብዎ ጠለባት እንታይ ምንባሩ ዛጊት ዝተገልጸ ነገር የለን።ወተሃደራት ኣፍጋኒስታንን ፍሉያት

ሓይልታት ኣመሪካን ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት፡ ዓሊ ሓይደር ጀላኒ ብዘይ ዝኾነ ጉድኣት ከምዝደሓነ፡ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ኣፍጋኒስታን - ፓኪስታናዊ ካብ ጅሆ ጣሊባን ይድሕን

ካብ መጋቢት 2008 ክሳብ ሚያዝያ 2012 ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ዝነበረ የሱፍ ራዛ ጀላኒ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ጅሆ ተታሒዙ ዝጸንሐ ወዱ ብዝተገብረ ዕዉት ስርሒት ናጻ ከምዝወጸ ምስተነግሮ፡ ኣብቲ ስርሒት ንዝተሳተፉ ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካን ኣፍጋኒስታንን

ብምምስጋን ክቱር ሓጎስ ከምዝተሰመዖ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ጅሆ ተታሒዙ

ዝጸንሐ ዓሊ ሓይደር ጀላኒ ብሕማቕ ተታሒዙ ከምዝጸንሐን፡ ድሕሪ ኣድላዪ ሕክምናዊ መርመራ ናብ ፓኪስታን ከምዘምረሐን ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ገሊጾም።

ኣብ ኣንጎላ ህይወት ኣማኢት ሰባት ዝቐዘፈ ብ’የለው ፊቨር’ ዝፍለጥ ቀታሊ ሕማም፡ ናብ ሓያሎ ሃገራት ከስፋሕፍሕ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ኣጠንቂቖም።እቲ ብመገዲ ጣንጡ ዝመሓላለፍ ዓሶ

መሰል ሕማም፡ ኣብ ኣንጎላ ህይወት 277 ሰባት ከጥፍእ እንከሎ፡ ድሮ ናብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሱዳንን ቻይናን ተዘርጊሑ ከምዘሎ’ዩ ተገሊጹ።ኣብ ጆርጅታውን ዩኒቨርሲቲ ዝመደበሮም

ተመራመርቲ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ሕጽረት ክታበት ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን፡ ሕማም ‘የለው ፊቨር’ ኣብተን ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮ ለበዳ ናይቲ ሕማም ዘይብለን ኣፍሪቃን ኤስያን ከስፋሕፍሕ እንተጀሚሩ፡ ዝኸፍአ ቅልውላው ክስዕብ ከምዝኽእል’ዮም

‘የለው-ፊቨር’ ናብ ኣህጉራዊ ስግኣት ይምዕብልዘጠንቅቑ። ካብዚ ንምድሓን፡ ኣቐዲምካ ምወላ ዝርከበሉ ኩነታት ምፍጣር ከምዘድሊ ድማ የረድኡ።ዝሓለፈ ሚያዝያ ውድብ ጥዕና ዓለም፡

ሕጽረት ክታበት ጸረ ሕማም ‘የለው ፊቨር’ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ብወግዒ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።ኣብዚ እዋን’ዚ

24.3 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኣንጎላ፡ ኣስታት 17 ሚልዮን ዜጋታታ ክታበት ወሲዶም ከምዘለዉ’ዮም ሰብ መዚ ጥዕና’ታ ሃገር ዝገልጹ።

እቲ ‘ኣይደስ ኣጂፕቲ’ ብዝተባህለት ጣንጡ ዝመሓላለፍ ቫይረስ ‘የለው ፊቨር’፡ ኣብ ሰባት መድመይቲን ብርቱዕ ረስኒን ከስዕብ ዝኽእል’ዩ። ንጸላም ከብድን ኩሊትን ብምዕናው ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንሞት ዘቃልዕ ሓደገኛ ሕማም ድማ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝሃብተመ ውልቀ-ሰብ ምዃኑ ዝንገረሉ ናይጀርያዊ ኣሊኮ ዳንጎተ፡ ንግዳያት ሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ንምሕጋዝ ዝውዕል 10 ሚልዮን ዶላር ለጊሱ።ናይ ልዕሊ 25 ቢልዮን ዶላር ርእሰ-

ማል ዝውንን ዳንጎተ፡ ብሰንኪ ሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ-ሓራም ካብ መነባብሮኦም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ሃገሩ ንምሕጋዝ ከምዝሰርሕ’ዩ ቃል ኣትዩ ዘሎ። ኣብ ዞባ ቦርኖ ኣብ ዝርከብ ተመዛበልቲ ዝተዓቑብሉ መዓስከራት ድሕሪ

ናይጀርያ - ቢልዮነር ንግዳያት ቦኮ ሓራም ይሕግዝ

ጀሪ ካኒንግን ሊሳ ካኒንግን ነዊሕ እዋን ብሓባር ክነብሩ ዝጸንሑ ሰብ ሓዳር እዮም። እቶም ማእከላይ መነባብሮ ክመርሑ ዝጸንሑ ሰብ ሓዳር፡ ዝሓለፈ ለካቲት’ዮም ብሓደ ለይቲ ወነንቲ ሚልዮናት ፓውንድ ኮይኖም። በዚ ድማ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና

ስሒቦም ይርከቡ። እቶም ብሪጣንያውያን ሰብ-ሓዳር ዘቑረጹዋ ቲኬት ሎተሪ ተዓዋቲት ናይ 32 ሚልዮን ፓውንድ ብምዃና፡ ከም ወዝቢ ምስ’ቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሰብ ጸጋ ክስርዑ በቒዖም። እንተኾነ፡ እቶም ሰብ ሓዳር፡ ዝጸንሖም ተራ መነባብሮ ከምዘይቅይርዎ ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም ኣለዉ። “ዝለመድናዮ ንቡር መነባብሮ ክንቅይሮ ድሌት የብልናን” ብምባል፡ ገዛ ይኹን ካልእ ንብረት ከምዘይገዝኡ ኣፍሊጦም። እቲ ዘገርም ወነንቲ ሚልዮናት ፓውንድ ኮይኖም ክነሶም፡ ኣብቲ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ስራሖም ይቕጽሉ ምህላዎም’ዩ።

ኣብ ደቡባዊ ካይሮ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ምስሪ፡ ካብ ዕጡቓት ብዝተፈነወሎም ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ንሰብ-መዚ’ታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ።እቶም ክዳን በርጌስ ወድዮም

ብመኪና ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ መገዲ ኣድብዮም ብዝጸንሑ ኣርባዕተ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ’ታ ሃገር ገሊጹ።ነቲ መጥቃዕቲ፡ ምስ ጉጅለ ዳዒሽ

ምስሪ - ኣባላት ፖሊስ ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ምትእስሳር ከምዘለዎም ዝግለጹ - ኣብ ዞባ ሲናይ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ከምዝፈጸምዎ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።ኣብ ዞባ ሲናይ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት፡

ካብ 2013 ጀሚሮም ኣንጻር ሰራዊት ምስሪ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ፡ እናኣሓየሉዎ ይመጹ ምህላዎም ምንጭታት’ቲ ከባቢ ይሕብሩ።እቲ ኣኽራሪ ጉጅለ፡ ኣብ ጥቅምቲ

2015 ሓንቲ ኣብ በረራ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ሩስያ ከምዘዕነወ ምግላጹ ይዝከር።

ተወሳኺ

ምብጻሕ’ዩ ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ኣትዩ። ኣብቲ መዓስከራት ንዘጋጠመ ጥምየትን

ሕጽረት መኣዛዊ መግቢን ንምውጋድ፡ ቀዳምነታት ሂቡ ከምዝሰርሓሉ ድማ

ኣፍሊጡ። ንሱ ብተወሳኺ፡ ዕድላት ትምህርቲን ስራሕን ንምስፋሕ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ።ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ

ዝንቀሳቐስ ኣኽራሪ ጉጅለ ቦኮ-ሓራም፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት’ታ ሃገር ናይ ቅትለት፡ ጭውያን ዓመጽን ግፍዕታት ከምዝፍጽም ምንጭታት ይሕብሩ። እቲ ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ከምዘለዎ

ዝንገረሉ ጉጅለ፡ ብሰንኪ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዜጋታት ናይጀርያ ካብ መነባብሮኦም ከምእተመዛበሉ ጸብጻባት የመልክቱ።