ሰንበት - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23062013.pdf · ኣህጉራዊ...

8
መበል 22 ዓመት ቁ. 296 23 ሰነ ገጻት 8 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 2 ኦዞን - O3 ገጽ 3 ‘ቲ ሓሳቢ! ገጽ 5 ኣይትንብዒ’ባ ኣደ ገጽ 4 በዓል ወጻኢ 2013 ሰንበት ገጽ 6 ትርጉም 20 ሰነ ብመንእሰያት ዜና ሰንበት - ታደሰ ተኽለ ሓደ ካብ ልኡላን ስዑዲ ዓረብ፡ ፋይናንሳዊ መጽሄት ፎርብስ ኣብ መስርዕ ሃብታማት ዓለም ኣትሒቱ ስለ ንመጽሄት ፎርብስ ክኸስስ ዝዳሎ ዘሎ ስዑዳዊ ልኡል ዝሰርዖ ክሲ ክምስርት ይዳሎ ምህላዉ ተገሊጹ። ልኡል ኣልወሊድ ኣልጠላል ወናኒ 30 ቢልዮን ዶላር ክነሱ እቲ መጽሄት ከም 26 ቢልዮን ዶላር ጥራይ ዘለዎ ገይሩ ብምምዝጋቡን ኣብቲ መስርዕ ናይ ደረጃ ስለ ዘውረዶን “ከም ስም ምጽላም” ገይሩ ከም ዝቘጽሮ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ መጽሄት ግና ካብ ጭብጢ ተበጊሱ ከም ዝመዝገበ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ልኡል ኣብ ዘቐርቦ ክሲ ብሰንኪ እቲ መጽሄት ዝሃቦ ግጉይ ሓበሬታ ኣብዋኒኑ ክሳራ ከምዝወረዶ እንተደኣ ኣረዲኡ ክረትዕ ከም ዝኽእል ምንጭታት ብሪጣንያ ይሕብሩ። እቲ መጽሄት ኣብመበል 26 ሃብታም ዓለም ከምዝሰርዖ ዘሜትሮ ዝተባህለ ማዕከንዜና ብሪጣንያ ይገልጽ፡። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ገበናት ኲናት ፈጺሙ ክድለ ዝጸንሐ ኣባል ስርዓት ናዚ ነበር ድሕሪ 68 ዓመት፡ ሜኔሶታ ኣብ ዝተባህለት ክፍለ ሃገር ኣመሪካ ከም ዝተረኽበ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ። ወዲ 94 ዓመት ማይክል ካርኮክ ድሕሪ እቲ ኲናት ምብቅዑ ገባር መሲሉ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ እንከሎ ወተሃደራዊ ድሕረ ባይታ ከምዘይብሉ ገሊጹ ኣብ ሰላማዊ ስራሕ ተዋፊሩ ጸኒሑ። ማእከሉ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ገበነኛታት ኣባላት ናዚ ዝሃድን ዘሎ ሳይሞን ዊዘንታል ናይ ዝተባህለ ትካል ኣባል ዝዀነ ኤፍሬም ዙሮፍ፡ እቲ “ገበነኛ” ካብ ኣመሪካ ከጠርዞ ዝኽእል ብቑዕ ጭብጢታት ስለ ዘሎ ናብቲ ገበን ዝፈጸመሉ ፖላንድ ክጥረዝ ከም ዝኽእል ይሕብር። ኣባል ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ምንባሩ እንተተረጋጊጹ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ እንከሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ስለ ዝሃበ ክድለ ዝጸንሐ ኣባል ናዚ ይርከብ ጥራይ ክስጎጕ ከም ዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ጥርጡር ጀርመን ንፖላንድ ምስ ተቘጻጸረታ ኣባል ናይ ዓፋን ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ጃፓን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ዲፕሎማት ኣብዚ ቕንያት እዚ መደረ እናስመዐ እንከሎ ንዘባጨዉሉ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ናይ ሕርቃን ምላሽ ብምሃብ ክጭድር ከም ዝተሰምዐ ኣብዚ ቕንያት ዝተፈነዉ ምንጭታት ገሊጾም። እቲ ሂደኪ ዩወይዳ ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣብ ከተማ ጀነቫ ኣብ ዝተኸፍተ ኣኼባ እናመደረ እንከሎ ዘንጸርጸረ ዲፕሎማት መዝነት ከረክብ ይሕተት ሓይልታት ብምዃን ንስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊ ዝተቓወሙ ህዝቢ ናይ ጭፍጨፋ ፍጻመታት የካይድ ምንባሩ ምንጭታት ይኸሱ። ፖላንድ እውን ኣብ መርመራታት እቲ ጥርጡር ሓገዛት ክትገብር ከም ትኽእል ኣፍሊጣ ኣላ። ኣባላት ናይታ ንሱ ዝእዝዛ ዝነበረት ኣሃዱ ብወገኖም ኣብ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት ይሳተፍ ከም ዝነበረን ቈልዑን ኣንስትን ዝርከብዎም ሰላማውያን ኣብ ገዛውቶም የንድድ ከም ዝነበረን የረድኡ። ማይክል ካሮክ ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣቱ ንደሓር ከም ጸራቢ ኰይኑ ይስርሕ ነይሩ። ቤት ጽሕፈት ፍሉይ መርመራ ዝተባህለ ትካል ካብ 1979 ንደሓር ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ እናፈተኑ ወይ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ዝኣተዉ 300 ናይ ስርዓት ናዚ መሻርኽቲ ዝነበሩ ሰባት ከም ዘትሓዘ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ 2028 ህንዲ ማዕረ ቻይና ብዝሒ ህዝቢ ከም ዝህልዋ ዝሓበረ ሓደ ጸብጻብ ሕቡራት መንግስታት፡ ካብኡ ንደሓር ግና ህንዲ ንቻይና ሓሊፋ ካብ ዓለም ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ ከም እትኽእል ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዝተባህለ ዓመት ክልቲአን ሃገራት ነፍሲ ወከፈን 1.45 ቢልዮን ህዝቢ ክህልወን እዩ። ድሕሪኡ ድማ ክሳዕ ክፍላ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘበን ብዝሒ ህንዲ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ። ሕጂ ዘሎ 7.2 ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ኣብ 2050 ናብ 9.6 ቢልዮን ኣቢሉ ከም ዝበጽሕ ይግመት። ካብ ሃገራት ዓለም እተን ዝተሓተ ብዝሒ ህዝቢ ህንዲ ካብ ናይ ቻይና ክዛይድ? ናይ ዕብየት ደረጃ ዘለወን 49 ሃገራት ካብዚ ሕጂ ዘለወን ናይ 900 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ፡ ኣብ 2050 ናብ 1.8 ቢልዮን ኣቢሉ ከም ዝበጽሕ ይግምገም። ኣብ ከም ቻይናን ብራዚልን ዝኣመሰላ ሃገራት ዓመታዊ መጠነ ልደት እናበዝሐ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብ ከም በዓል ናይጀርያን ኡጋንዳን ከኣ ብኸቢድ ፍጥነት ይዓቢ ምህላዉ ዝሓበረ ጸብጻብ ኣብ ዝቕጽል 100 ዓመት ናይጀርያ ብዝሒ ህዝቢ ንቻይና ክተርክባ ከም ትኽእል እቲ ምንጪ የረድእ። ዘስምዖ ሕርቃን ብዩ ትዩብ ናብ ዓለም ምስ ተዘርገሐ ካብ መዝነቱ ክወርድ ይሕተት ምህላዉ ምንጭታት የረድኡ። ካብ ወኪል ሞሪሸስ ዝቐረበሉ ሕቶ ንዝሃቦ ምላሽ ተሳተፍቲ ኣኼባ ክስሕቁ ስለ ዝገበሮም፡ እቲ ዲፕሎማት እናንጸርጸረ ኣፍኩም ሓዙ! ኢሉ ብዓውታ ይጭርሕ ነይሩ። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ጃፓናውያን ነቲ ዲፕሎማት “መሕነኽ” ክብሉ ወቒሶምዎ።

Upload: hanguyet

Post on 25-Apr-2018

242 views

Category:

Documents


3 download

TRANSCRIPT

Page 1: ሰንበት - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23062013.pdf · ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣ ስመራ 152817 \\\\\

መበል 22 ዓመት ቁ. 296 23 ሰነ ገጻት 8 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 2

ኦዞን - O3²Ãö 3

ገጽ 3

‘ቲ ሓሳቢ!

ገጽ 5ኣይትንብዒ’ባ ኣደ

²Ãö 3

ገጽ 4

በዓል ወጻኢ2013

ሰንበት

ገጽ 6

ትርጉም 20 ሰነ ብመንእሰያት

ዜና ሰንበት - ታደሰ ተኽለ

ሓደ ካብ ልኡላን ስዑዲ ዓረብ፡ ፋይናንሳዊ መጽሄት ፎርብስ ኣብ መስርዕ ሃብታማት ዓለም ኣትሒቱ ስለ

ንመጽሄት ፎርብስ ክኸስስ ዝዳሎ ዘሎ ስዑዳዊ ልኡል

ዝሰርዖ ክሲ ክምስርት ይዳሎ ምህላዉ ተገሊጹ። ልኡል ኣልወሊድ ኣልጠላል

ወናኒ 30 ቢልዮን ዶላር ክነሱ እቲ መጽሄት ከም 26 ቢልዮን ዶላር ጥራይ ዘለዎ ገይሩ ብምምዝጋቡን ኣብቲ መስርዕ ናይ ደረጃ ስለ ዘውረዶን “ከም ስም ምጽላም” ገይሩ ከም ዝቘጽሮ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ መጽሄት ግና ካብ

ጭብጢ ተበጊሱ ከም ዝመዝገበ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ልኡል ኣብ ዘቐርቦ

ክሲ ብሰንኪ እቲ መጽሄት ዝሃቦ ግጉይ ሓበሬታ ኣብዋኒኑ ክሳራ ከምዝወረዶ እንተደኣ ኣረዲኡ ክረትዕ ከም ዝኽእል ምንጭታት ብሪጣንያ ይሕብሩ። እቲ

መጽሄት ኣብመበል 26 ሃብታም ዓለም ከምዝሰርዖ ዘሜትሮ ዝተባህለ ማዕከንዜና ብሪጣንያ ይገልጽ፡።

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ገበናት ኲናት ፈጺሙ ክድለ ዝጸንሐ ኣባል ስርዓት ናዚ ነበር ድሕሪ 68 ዓመት፡ ሜኔሶታ ኣብ ዝተባህለት ክፍለ ሃገር ኣመሪካ ከም ዝተረኽበ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ። ወዲ 94 ዓመት ማይክል ካርኮክ

ድሕሪ እቲ ኲናት ምብቅዑ ገባር መሲሉ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ እንከሎ ወተሃደራዊ ድሕረ ባይታ ከምዘይብሉ ገሊጹ ኣብ ሰላማዊ ስራሕ ተዋፊሩ ጸኒሑ።ማእከሉ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ

ገበነኛታት ኣባላት ናዚ ዝሃድን ዘሎ ሳይሞን ዊዘንታል ናይ ዝተባህለ ትካል ኣባል ዝዀነ ኤፍሬም ዙሮፍ፡ እቲ “ገበነኛ” ካብ ኣመሪካ ከጠርዞ ዝኽእል ብቑዕ ጭብጢታት ስለ ዘሎ ናብቲ ገበን ዝፈጸመሉ ፖላንድ ክጥረዝ ከም ዝኽእል ይሕብር። ኣባል ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ምንባሩ

እንተተረጋጊጹ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ እንከሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ስለ ዝሃበ

ክድለ ዝጸንሐ ኣባል ናዚ ይርከብ

ጥራይ ክስጎጕ ከም ዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ጥርጡር ጀርመን ንፖላንድ

ምስ ተቘጻጸረታ ኣባል ናይ ዓፋን

ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ጃፓን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ዲፕሎማት ኣብዚ ቕንያት እዚ መደረ እናስመዐ እንከሎ ንዘባጨዉሉ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ናይ ሕርቃን ምላሽ ብምሃብ ክጭድር ከም ዝተሰምዐ ኣብዚ ቕንያት ዝተፈነዉ ምንጭታት ገሊጾም። እቲ ሂደኪ ዩወይዳ ዝተባህለ

ዲፕሎማት ኣብ ከተማ ጀነቫ ኣብ ዝተኸፍተ ኣኼባ እናመደረ እንከሎ

ዘንጸርጸረ ዲፕሎማት መዝነት ከረክብ ይሕተት

ሓይልታት ብምዃን ንስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊ ዝተቓወሙ ህዝቢ ናይ ጭፍጨፋ ፍጻመታት የካይድ ምንባሩ ምንጭታት ይኸሱ። ፖላንድ እውን ኣብ መርመራታት እቲ ጥርጡር ሓገዛት ክትገብር ከም ትኽእል ኣፍሊጣ ኣላ። ኣባላት ናይታ ንሱ ዝእዝዛ ዝነበረት

ኣሃዱ ብወገኖም ኣብ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት ይሳተፍ ከም ዝነበረን ቈልዑን ኣንስትን ዝርከብዎም ሰላማውያን ኣብ ገዛውቶም የንድድ ከም ዝነበረን የረድኡ። ማይክል ካሮክ ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣቱ

ንደሓር ከም ጸራቢ ኰይኑ ይስርሕ ነይሩ። ቤት ጽሕፈት ፍሉይ መርመራ ዝተባህለ ትካል ካብ 1979 ንደሓር ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ እናፈተኑ ወይ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ዝኣተዉ 300 ናይ ስርዓት ናዚ መሻርኽቲ ዝነበሩ ሰባት ከም ዘትሓዘ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ 2028 ህንዲ ማዕረ ቻይና ብዝሒ ህዝቢ ከም ዝህልዋ ዝሓበረ ሓደ ጸብጻብ ሕቡራት መንግስታት፡ ካብኡ ንደሓር ግና ህንዲ ንቻይና ሓሊፋ ካብ ዓለም ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ ከም እትኽእል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝተባህለ ዓመት ክልቲአን ሃገራት ነፍሲ ወከፈን 1.45 ቢልዮን ህዝቢ ክህልወን እዩ። ድሕሪኡ ድማ ክሳዕ ክፍላ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘበን ብዝሒ ህንዲ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ። ሕጂ ዘሎ 7.2 ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ኣብ 2050 ናብ 9.6 ቢልዮን ኣቢሉ ከም ዝበጽሕ ይግመት። ካብ ሃገራት ዓለም እተን ዝተሓተ

ብዝሒ ህዝቢ ህንዲ ካብ ናይ ቻይና ክዛይድ?

ናይ ዕብየት ደረጃ ዘለወን 49 ሃገራት ካብዚ ሕጂ ዘለወን ናይ 900 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ፡ ኣብ 2050 ናብ 1.8 ቢልዮን ኣቢሉ ከም ዝበጽሕ ይግምገም።

ኣብ ከም ቻይናን ብራዚልን ዝኣመሰላ ሃገራት ዓመታዊ መጠነ

ልደት እናበዝሐ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብ ከም በዓል ናይጀርያን ኡጋንዳን ከኣ ብኸቢድ ፍጥነት ይዓቢ ምህላዉ ዝሓበረ ጸብጻብ ኣብ ዝቕጽል 100 ዓመት ናይጀርያ ብዝሒ ህዝቢ ንቻይና ክተርክባ ከም ትኽእል እቲ ምንጪ የረድእ።

ዘስምዖ ሕርቃን ብዩ ትዩብ ናብ ዓለም ምስ ተዘርገሐ ካብ መዝነቱ ክወርድ ይሕተት ምህላዉ ምንጭታት የረድኡ። ካብ ወኪል ሞሪሸስ ዝቐረበሉ

ሕቶ ንዝሃቦ ምላሽ ተሳተፍቲ ኣኼባ ክስሕቁ ስለ ዝገበሮም፡ እቲ ዲፕሎማት እናንጸርጸረ ኣፍኩም ሓዙ! ኢሉ ብዓውታ ይጭርሕ ነይሩ። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ጃፓናውያን ነቲ ዲፕሎማት “መሕነኽ” ክብሉ ወቒሶምዎ።

Page 2: ሰንበት - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23062013.pdf · ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣ ስመራ 152817 \\\\\

ሓዳስ ኤርትራ 23 ሰነ 2013 - ገጽ 2

መጥፋእቲ ሓዊ

202099202260

ቀይሕ መስቀል122244

ፖሊስ ዞ/ማእከል ፖ/ትራፊክ ዞ/ማእከል)

120555

ማ.ቤ.ጽ. ፖሊስ ኤርትራ127799

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ152817

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ኤደን ገብረመድህንሰላማዊት ክብረኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ሄኖክ ተስፋብሩኽ

1. Exchange for, not by.

Don’t say: They exchanged wheat by machinery.

Say: They exchanged wheat for machinery.

NOTE. Also “inexchange for”: as, “He gave his old car in exchange for a new one.”

2. Fail in, not from.

Don’t say: He failed from mathematics last year.

Say: H failed in mathematics last year.

3. Full of, not with or from.

Don’t say: The jar was full with (or from) oil.

Say: The jar was full of oil.

NOTE. But “fill” takes “with”: as, “He filled the glass with water.”

4. Get rid of, not from.

Don’t say: I shall be glad to get rid from him.

Say: I shall be glad to get rid of him.

common mistakesin Englishብተደጋጋሚ ዝርኣዩ ጌጋታት

ኣብ እንግሊዝኛ

MISUSED FORMS

Using A Wrong Proposition

ካብ 29 ኪ.ሜ. ክሳብ 48 ኪ.ሜ. ካብ ገጽ መሬት ንላዕሊ ፍሉይ ውዑይ ኣየር ዘለዎ ቀጸላ ኣሎ፣ እዚ ውዑይ ኣየር። ኣብኡ ኦዞን ስለ ዘሎ’ዩ ውዑይ ኰይኑ፣ ኦዞን ኣሎትሮፕ ናይ ኦክሲጀን እዩ፣

ኣሎትሮፕ እኩብ ሓደ ዓይነት ባእታ ኰይኑ ዝተፍልየ ጠባይ ዘለዎ’ዩ፣ ኦዞን ብሰለስተ ኦክስጀን ዝቘመ እኩብ ባእታት (molecule) እዩ፣ ካብ ጸሓይ ንዝመጽኡ ሓደገኛታት ጨረርታ (ኡልትራቫይለት)

ይከላኸሎም፣ ስለዝዀነ ነዞም ኣብዛ ዓለም ዘለና ፍጡራት ኣዝዩ የገድሰና፣

ተመራመርቲ ካብ መሬት ብዝፍነው ሓደገኛታት ባእታት ኦዞን ይዓኑ ምህላው እዮም ዝገልጹ፣ ኦዞን ቅልጡፍ ናይ ምሕዋስ ባህሪ ዘለዎ ሞሌኵል’ዩ፣ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ዝጥቀመሎም - ከም ፍርጅ። ኣየር ኮንዲሽነር። ፕላስቲክን

ካልኦት ብልዑል ጸቕጢ ክስርሑ ዝኽእሉ ነገራትን - ክሰርሑ እንከለው። ኣብ ምፍጣር ክሎሮ-ፍሎሮ-ካርቦን ዝተባህለ ቀመም ከም ጓሓፍ ይወጽእ እዩ፣ ኣብዚ ዘለው ክሎሪን ኣቶማት ኣብ ቀጸላ ኦዞን ምስ በጽሑ ነቲ ንሰለስተ ኦክስጀን ዘላገበ ድልድል (bond) ይሰብሩዎ፣ ከም ውጽኢቱ ክሎሪን-ሞኖ-ኦክሳይድን ኦክስጀን ጋዝን ይፍጠሩ፣ እዚ መስርሕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝቕጽል ዘሎ እዩ፣ ኣሜሪካውያን ተመራመርቲ ዶ/ር ሸይረ ሮውላንድን ዶ/ር ማርዮ ሞሊናን ኣብ 1973 ኣጽኒዖም ንዓለም ኣፍሊጦማ፣ ግዱሳት ኣከባቢን ተመራመርቲን ነዚ ምስ ህላዌና ዝተሓሓዝ ቀጸላ ኦዞን ንምዕቃብ። ነቶም ጐዳእቲ ቀመማት ዝሓዙ ርስሓት ብዘይጓድኡ ዝትከኣሉ መገዲ ክፈጥሩ ይጽዕሩ ኣለዉ፣

ማክዳ ትንሱእ

Have another look at - NEGATIVES

The negative is generally expressed in two ways:

(1) By putting not after the verb. This method is used with only twenty-one verbs. Here is a list of them:

Am, is, are, was, were; have, has, had; shall, should; will, would; can, could; may, might; must; need; dare; ought; used.

EXAMPLES: I am not ready.

You must not do that.

He cannot write well.

He ought not to go.

(2) By using do, does, did, with not and the present infinitive (without to). This method is used with all verbs except those twenty-one given above.

The word order is:

SUBJECT + do (does, did) + not + INFINITIVE

EXAMPLES: I do not go there very often.

He does not teach English.

They did not see the game.

In conversation, not is often shortened to n’t. thus we say don’t for do not, doesn’t for does not, didn’t for did not, hadn’t for had not, wouldn’t for would not, etc. (But we say Shan’t for shall not, won’t for will not, can’t for cannot.)

Negative may also be expressed by other words of negatives meaning: no, nobody, no one, nothing, and nowhere.

EXAMPLE: They know nothing

or

They do not (don’t) know anything.

Source: COMMON MISTAKES IN ENGLISH

ኦዞን - O3

“ፍልጠት ኣዝዩ ምቹእን ኣገዳስን ዓቢኻ እትምለሶ ጽላልን ቅርዓትን እዩ፣ ብንኡስካ እንተ ዘይኮስኲስካዮ ምስ ዓበኻ ከሳፍሓካን ከጽልለካን ኣይክእልን እዩ” - ሎርድ ቸስተርፊልድ

ልብና ካብን ናብን መላእ ኣካላትና ደም ትጭንጉዕን ትቕበልን፣ ከምቲ ማይ ብቱቦታት ክሓልፍ እንከሎ ኣብቲ ቱቦ ጸቕጢ ዝፈጥር። ደምና ብሻምብቆታት ደም ክሓልፍ እንከሎ’ውን ኣብቲ ሻምብቆታት ጸቕጢ ይፈጥር እዩ፣ ዝተጻረየ ደም ዝጭንጉዕ ጸጋማይ ክፋል ልቢ ክጭበጥ እንከሎ እዩ መስርሕ ምጭንጓዕ ዝካየድ፣ ብሓይሊ ናብ ኣርተሪ ይሓልፍ፣ ኣርተሪታት ነቲ ዝፍጠር ተጻዊሮም ናብ ዝደቐቑ መስመራት ደም የሕልፉዎ፣

“ጸቕጢ ደም” ገምጋም ናይቲ ኣብቲ ሻምብቖታት ዝፍጠር ጸቕጢ እዩ፣ ጸቕጢ ደም ክዕቀን እንከሎ። ኣብ ምናትና ኢስፊግኖማኖሜተር (ኣጥቢቑ ዝሕዝ ኣየር ክመልእ ዝኽእል ባጅ) ይእሰርልና፣ ክሳብ ብኣርተሪ ዝሓልፍ ደም ዝዕገት እቲ ባጅ ይንፋሕ፣ እቲ ዝመልአ ኣየር ክወጽእ ምስ ተሓድገ ጸቕጢ ናይቲ ብሓይሊ ዝጓዓዝ ደም ብሓገዝ ሜርኩሪ ዝሓዘት ቱቦ መዐቀኒ ንጸቕጢ ደምና የንብቦ፣ እቲ መጀመርታ ዝንበብ ዝለዓለ

እዩ፣ እቲ ዝተሓተ ልቢ ክትዛነ እንከላ ዝውሰድ ንባብ እዩ፣ በዞም ክልተ ንባባት ዝለዓለ ኣብ ላዕሊ ዝተሓተ ተጻሒፉ ይወሃበና፣ ሓደ ሓኪም ጸቕጢ ደም ክዕቅን እንከሎ። ናይ ደምን ኣርተሪን ኩነታት። ሓይሎምን ካልእ ንጥዕናና ኣገደስቲ ዝዀኑ ኩነታት ንምልላይን እዩ፣ ናይ እኹልን ጥዑይን ሰብ ዓቐን ጸቕጢ ደሙ ብገምጋም 120/80 እዩ፣

ሳቢት ሙስጦፋ

ኣተዓቓቕና ጸቕጢ ደም

ኣብ ሰማይ ምብራር ንዘበናት ሕልሚ ደቂ-ሰብ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ፣ ቅድሚ 1903 ባሎናት ዕውት ፈተነታት ኣካይደን ነይረን፣ ናይ መጀመርታ ዕውትቲ በራሪት

ብክልተ ኣሕዋት ደቂ ራይት ዝተሃንደሰት ነፋሪት ምዃና ይፍለጥ፤ ኦርቪልን ዊልባርን ራይት፣ ኣብ 17 ታሕሳስ 1903

ሰዓት 10።30 ቅ.ቐ. ከባቢ ንውሑዳት ደቓይቕ ኣብ ሰማይ ብዝጸንሐት ምህዞኦም ሽሞም ዓሪጉ፣ እዚ ታሪኻዊ በረራ ን12 ካልኢት’ዩ ጸኒሑ፣ እዞም ክልተ ኣሕዋት ብሓደ ኰይኖም’ኳ ይስርሑዋ እምበር። ኣብታ መዓልቲ በረራ ምስታ ነፋሪት ሓደ ሰብ ክስቀል ነይሩዎ፣ እዞም ክልተ ኣሕዋት ታሪኽ ንምስራሕ ብሳንቲም ማይና-ሓጋይና ዕጫ ተዋዲቖም፣ ማይዩ ኰይናትሉ ዊልባር ተዓዊቱ፣ እንተዀነ ክትበርር ኣየከኣለትን፣ ዘድሊ ጽገና ተገይሩላ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንዝሓረረት ዕድል ዊልባር። ኦርቪል ተዓዊትላ፣ ንመጀመርታ ግዜ ንሰማይ ዝበረረ ሰብ ድማ ኰነ፣

መንሱራ ሳልሕ

ማይና ሓጋይና

Page 3: ሰንበት - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23062013.pdf · ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣ ስመራ 152817 \\\\\

ስዒድ ሳልሕወግዒ

ብርዒ

ሓዳስ ኤርትራ

ሸባብ 23 ሰነ 2013 - ገጽ 3

“ኣደይ ኣይመስለንን”

ኣማኻሪ፣- ሄለው ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ምኽሪ ብቴለፎን...

ደዋሊት፣- ሰላም እ….ንእሽቶይ ምኽሪ ደለየ፣ ወረ ንእሽተይ ኣይኮነን ካብ’ዚ ዝዓቢ ጉዳይ የብለይን።

ገነት እባሃል ካብ ከረን እየ፣ ኣባል 20 ዙር ኮነይ ተመዲበ እሰርሕ ኣለኹ። ሓደ ሽግር ኣጋጢሙኒ ኣሎ።

ኣማኻሪ፣- ቀጽሊ ገነት?

ደዋሊት፣- ኣደይ ፈጺማ’ያ ዘይትርህርሃለይ። ከም ውላዳ ኣይትርእየንን እያ። ካብ’ተን ኣሕዋተይ ናይ ኣጠማምታ ኣድልዎ ክዕዘብ ኪኢለ ኣለኹ። ብጣዕሚ እያ ተበሳጭወኒ፣ ካብ ወላዲት ዘይኮነ ካብ ሰይተቦ እትጽበዮ ኣታሓሕዛ እያ ትሕዘኒ። ኣነ ቦኽሪ ናይቲ ገዛ እየ። እተን ነኣሽቱ ኣሓተይ’ውን ከምቲ ንሓድሕደን ዘለወን ዘይኮነስ፣ ናይ በይነይ ጎደሎ ፍቕሪ እየን ዘርእያኒ።

ኣማኻሪ፣- ካብ መዓስ ጀሚረን’የን እዚ ዓይነት ኣድልዎ ዝገብራልኪ ዘለዋ?

ደዋሊት፣- ካብ ዝፍለጠኒ ኣትሒዘን።

ኣማኻሪ፣- ደፊርካ ኣይትበልኒ እምበር ኣብ ጠባይ ከመይ ኢኺ? ንኣብነት ከም ውላድ ምእዝዝቲ ዲኺ፣ ወለድኺ ተኽብሪ’ዶ፣ ምስ ዓረከ-መሓዛ ከመይ ትኸዲ… ወ.ዘ.ተ እስከ ኣስተብህሊ?

ደዋሊት፣- ሕማቕ ጠባይ የብለይን።

ይትረፍ ሰብ ሰይጣን’ውን ብሕማቕ ክምስክረለይ ኣይክእልን እዩ። ነብስኺ ድኣ ንኢድኪ ኣይትበለኒ እምበር፣ ኣብ ስራሕና ክልተ ገነት ዝሽምና ኣዋልድ ኣሎና። ከም መፈለዪ፣ “ገነት ምስኪን፣ ገነት ሰኪን” ኢሎም እዮም ዝፈልዩና። ብዛዕባ ጠባየይ “ዓይንኺ ትደፈን” ኢሉኒ ዝፈልጥ የለን።

ደሓን ከኣ ጠባይ ዘይብለይ ዋላ ይኹን፣ ንውላድካ መጀመርታ ትምዕዶ፣ ደሓር ከኣ ቀጻዒ ዝበልካዮ ስጉምቲ ይውሰድ ይኸውን። ኣነ ግን ይትረፍ ንጌጋ ብምዕዶ ክእረመሉ ንጽቡቕ ስርሐይ’ውን እንተነፍዐት ጉሩምርም ኢላ ተፋንወኒ። ኣመላ’ዩ ከይባሃል ከኣ እተን ካልኦት ኣሕዋተይ እናበደላ እንከለዋ ሸለል ይበሃለለን። ኣቦይ ንዓይ ሕማቕ ጸርፊ ጸሪፉኒ ኣይፈልጥን እዩ። ነተን ኣሕዋተይ ከም ገለ ዓይኑ ኣፍጥጥ እንተድኣ ኣቢልለን ግን ኣደይ ክትውሕጦ ትደሊ። ሓድሓደ ግዜ’ውን በደል ናይ ኣሕዋተይ ንዓይ ከተልግበለይ ትፍትን እያ። እዚኣ ኣደይ ኢልካ ትሓስብ?

ኣማኻሪ፣- ክትከውን ትኽእል እያ።

ኣማኻሪ፣- ምናልባት ከም ዓባይ ዓቢ ሓላፍነት ተሰክመኪ’ሞ ዝኣመንትኪ ሓላፍነት ምስ ዘንጋዕኪ የሕርቓ ከይኸውን።

ደዋሊት፣- ደሓን ንሱ ርግጸኛ እየ። ንዓኣ ንወላዲተይ ኣይኮነን ንኻልእ ጓና ኣባኺነሉ ኣይፈልጥን እየ። ግዳ ሓደ ክልተ ዘረባ ሰሚዐ ኔረ?

ኣማኻሪ፣- እንታይ ዝብል?

ደዋሊት፣- ሓንቲ ጎረቤትና ሓደ መዓልቲ፣ “ኣዴኺ ኣይኮነትን’’ ኢለናኒ ኔረን። ካልእ ክልተ ሰባት’ውን ከምኡ። ግን ተሓተትቲ ከይኮኑ ዳርጋ ከም’ዚ “ንለባም ኣምተሉ” ኣምሲሎም እዮም ኣፍኲሶም ነጊሮምኒ።

ኣማኻሪ፣- እሞ ኣትሪርኪ ኣይሓተትክዮምን?

ኣማኻሪ፣- ኣይሓተትኩዎምን?

ደዋሊት፣- ፈሪሐ! ኣይሓተትኩዎምን። ሕጂ ግን ክርእዮ እንከለኹ ሓቆም እዮም።

ኣማኻሪ፣- ብእንዳ ኣባሓጎኺ ማለት እንዳ’ደኺ ዘለኪ ተቐባልነት ከም’ተን ካልኦት ኣሕዋትኪ ድዩ ወይስ ካብኡ ፍልይ ዝበለ?

ደዋሊት፣- ብዙሕ ሰብ ዘይገብረለይ ኣይብልን እየ። ይፈትውኒ’ዶ ኣይፈትወንን’ውን ኣየሸግረንን እዩ። ምስቲ ዘለኒ ባህሪ እቶም እንዳ’ባሓጎይ፣ “ክላእ’ዛ ቆልዓ እዛኣ ኸኣ ሰብ ዘይትፈቱ” ክብሉኒ እንከለዉ ናተይ ጉድለት ጌረ ስለዝወሰድኩዎስ ኣይተገደስኩሎምን። ከምቲ ነተን ኣሕዋተይ ዝፈትውወን ግን ይፈትውኒ ኣይብለካን እየ። ግን ናተይ ድኻም’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣማኻሪ፣- እንዳ’ቦኺኸ ከመይ ይፈትውኺ።

ደዋሊት፣- ይፈትዉኒ! እንተሓመቕኹ ከምተን ካልኦት ኣሕዋተይ እንተዘየለ ኸኣ

ልዕሊኡን። ኣንቲ መን ኢኻ ሽምካ ሓወይ ኣነስ ርግጸኛ እየ ጓላ ነዛ ሰበይቲ ክኸውን ኣይክእልን እየ። ግዳ ሓግዘኒ ብኸመይ ክፍትሾ?

ኣማኻሪ፣- ናይ ጥምቀት ምስክር ወረቐት የብልክን?

ደዋሊት፣- የብለይን ንሱ እንትዝህሉ ድኣ ተመሊሱ ማለት እንድዩ?

ኣማኻሪ፣- በሊ ደሓን ንኣቦኺ ኣዳህልልዮ። ንስኪ ዕድሜኺ 24 እንድዩ፣ ኣቦኽን ኣዴኽን ካብ ዝምርዓዉ ክንድይ ከም ዝገብሩ፣ ኩነታት መርዕኦም ከመይ ከም ዝነበረ ኣጥቢቕኪ ሕተቲ። ምስቲ ዕድሜኺ ኣወዳድርዮ፣ ዘይሳነ ኮይኑ ኣንተደኣ ጸኒሕኺ ገለ ክምለሱ ዘለዎም ሕቶታት ንኣብነት፣ ኣነ ድኣ መዓስ ተወሊደ፣ ከመይ ጌሩ ክኸውን ይኽእል ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ኣዋጠርቲ ሕቶታት ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ?

ካልኣይ ነቶም ኣዴኺ ዘይምዃና ዘዕለሉኺ ሰባት ሰላማዊት ኴንኪ ልገብዮም። ብገለ ባዕልኺ ኣዴኺ ከምዘይኮነት ትፈልጢ ምዃንኪ ኣዕልልዮም። ሽዑ ንሽዑ መልሲ ኣይትድለዪ። ኩነታት እንተሓቀኛ ኣዴኺ እምበር ናይዚኣ ከምዘየሸግረኪ ጌርኪ ኣዕልልዮም። ምስ ግዜ ክነግሩኺ እዮም።

ደዋሊት፣- ግርም ሓሳብ’ባ እዚኣ!

ኣማኻሪ፣- ደሓር ከኣ ናይ ብሓቂ ዘይጓላ እንተድኣ ኴንኪ ክትፈልጥዮ ሽግር

ምኽሪ ሰንበት ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ. ምኽሪ ብተሌፎን ካብ ዝጅምር፣ ብዙሓት መንእሰያት ተጠቐምቲ ናይ'ዚ ኣገልግሎት ኮይኖም ኣለዉ። ንኡስ ዓምዲ "ምኽሪ

ሰንበት" እምበኣር ንገለ ካብ'ቲ ብቑጽሪ ስልኪ 124256 ወይ ብቑ.ሳ.ጶስጣ 1042 ናብ "ሆት ላይን" ዝቐርብ ሕቶታት እያ እትምልስ።

ኣይመስለንን።

ደዋሊት፣- እንታይ ኮይነ ድኣ ቅድሚ ሕጂ ዘፈለጥኩ?

ኣማኻሪ፣- ስለዘይሓተትኪ እምበር ምስጢራት ባዕሎም ክወጹ ጀሚሮም ነይሮም እዮም። ሕጂ ግን ባዕልኺ ተበግሶ ወሲድኪ ስለዘለኺ ዘሸግረኪ ኣይመስለንን። ይትረፍ ንዝፈልጦ ምስጢር ንዘይፈልጦ ወረ ተቐቢሉ ዘበጻጽሕ ሰብ ብዙሕ ስለዝኾነ፣ እታ ምስጢር ክትፈልጥያ ኢኺ።

ግን ሕሰቢ ምናልባት እዛ ተማርርያ ዘለኺ ሓቀኛ ኣዴኺ እንተድኣ ኮይና፣ ልባ ክሳብ ክንደይ ክጉዳእ ምዃኑ ኣስተውዕሊ። ኣዚኺ ኣዚኺ ኣስተውዕሊ!

ደዋሊት፣- ኣደይ ኮይና ክንድ’ዚ ትጭክነለይ እንተድኣ ኮይና ኣደይ ክትከውን ኣይደልያን እየ። በጃኻ ኣደይ እደሊ ኣለኹ። ግን ሰይተቦይ ምዃና እንተድኣ ፈሊጠ ብኸመይ ሓቀኛ ኣደይ እረክብ?

ኣማኻሪ፣- እዚ እምበኣር’ዩ ዝኸበደ! ኣቦኺ፣ ኣቦኺ ምዃኑ ዝፈልጥ እንተድኣ ኾይኑ ኣዴኺከመይ ኣቢላ ክትጠፍኦ። ግን ነዚ’ሞ ወድኢ፣ ኣቦኺ መንነት ኣዴኺ እንተነግረኪ ግርም’ዩ። እንተዘየለ ኣጸቢቕና ሓሲብናሉ ክንጸንሕ ምእንቲ ካልእ ግዜ ደውልለና።

ደዋሊት፣- ብልቢ እየ ዘመስገን! ክድውል እየ። በጃኩም ሓግዙኒ።

ኣማኻሪ፣-ጸገም የለን! ጽቡቕ ዕድል።

‘ቲ ሓሳቢ! እቲ ሓሳቢ፣ ከም ወትሩ ኣብታ ኣብ እዋን

ንግሆ ሰባት ዝውሕዱዋ፣ ኣጋ ምሸት ከኣ ሰባት ዝበዝሑዋ ገዛ’ዩ ዝርከብ። ነታ ገዛ ብኸመይ ከም ዝገልጻ’ዩ ዝጨንቆ። ሎሚ ብዛዕባ ሕብራ እንተተዛሪቡ፣ ጽባሕ ብዛዕባ ስፍሓታ ይዛረብ። ‘ኣርዩ-ኣራርዩ’ ጣቋ ኣይስእነላን እዩ። ኣብታ ገዛ ወትሩ ሓድሽ ነገር ከም ዘሎ፣ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ብኣተኰሮ ይዕዘባ። ቦታኡ ፍሉጥ - ሰዓቱ’ውን ከምኡ። ኣንጊሁ ይመጽእ ከባቢ ፋዱስ ከኣ ይኸይድ። ድሕሪ ቀትሪ’ውን ከባቢ ሰዓት ሰለስተ መጺኡ - ሻሂ ሰትዩ ይኸይድ። ምሸት ከኣ ካብ ሰዓት ሸውዓተ ንድሓር ኣብኣ የማሲ። ኩሉ ዓሚል ናይታ ገዛ ይፈልጦ’ዩ፣ ዝጋብዞ’ውን ውሑድ ኣይኰነን። ኣብኡ ዝናብይዎ ኣለዉዎ። ዝፈልጦ ሰብ እንተረኺቡ ባህ’ዩ ዝብሎ።

ጸዊዑ ናብ ቦታኡ ንምዕዳም ድሕር ኣይብልን’ዩ። ኣብ ገለ እዋን ቦታኡ ተታሒዙ ከም ዘሎ እንተ ኣሰተውዒሉ ከኣ መሪጹ ናብ ሓደ ሰብ ከይዱ ኰፍ ይብል። ዕላል በይን ይጅምር ኣይጨንቆን’ዩ። ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ከዕልል ይኽእል’ዩ። ከም’ቶም ብዛዕባ ኩሉ ነገር ገለ ኣፍልጦ ዘለዎም፣ ብዛዕባ ሓደ ነገር ከኣ ዕምቆት ኣፍልጦ ዘይብሎም ዓይነት ሰባት እዩ። ምንጪ ፍልጠቱ ካብ ኩሉ’ዩ - ኣብ ገለ እዋን ኣብቲ ጥቓኡ ኰፍ ዝበሉ ሰባት እንተ’ለው እውን ከም መወከሲ ይጥቀመሎም እዩ።“ሎሚ’ስ እዚ ገዛ ድምጺ በዚሑዎ’ሎ።

ሓቀይ ዶ?”“እወ።”“እዚ’ኰ ናይ መቓልሕ ጸገም’ዩ። ኣብዚ

መንደቕ ናይ ‘ሳውንድ ፕሩፍ’ ዝኸውን ንኣሽቱ ነዃላት ጌርካ’ኳ ክቕነስ ዝኽእል’ዩ።

ሰኣን ምሕሳብ’ዩ እምበር ኣዝዩ ቀሊል’ዩ።” ብምባል፣ ዝጅምሮ ዘረባ እናኣግፈሐ ናብ ካልእ ይሰጋግራ። ዘረባ ናይ ምግፋሕ ክእለቱ ሓደ ካብቲ ኣብ ካልኦት ዘይትርኽቦ ዓይነት ባህሪ እዩ። ከም ፈተሊ ንሓንቲ ሓሳብ እናዘርዘረ የዕሙቛ’ዩ።“ብርሃን እውን ብመጠኑ እንተቐነሰ

ጽቡቕ ነይሩ።” ይቕጽል። ካብ ድምጺ ናብ ብርሃን።“ርኢኻ’ለኻ ብርሃን ክበዝሕ ከሎ፣ ነቲ

‘ኣትሞስፈር’ ይቕይሮ እዩ። ብቐዳማይ፣ ኣብ ሓንቲ ናይ ተለቪዥን ቻነል ዝርኣኹዎ ምህዞታት ዝቐረበላ መደብ፣ ሓደ ሰብ ኣቕሪቦም ነይሮም። ነዚ መብራህቲ፣ ሲዲታት ቆራሪጹ፣ ናብኡ ከም ዝለግብ እናገበረ ናብ ሕብራዊ’ዩ ዝቕይሮ። ኣብዚ ገዛ ከምኡ’ውን ክግበር ምተኻእለ ነይሩ። ሰኣን ምሕሳብ’ዩ እምበር።” ከምኡ ኣቢሉ ከኣ ናብ ካልእ ይቕጽል።“መብዛሕትኦም እዞም ሰብ ትካላት

ኣይሰተብህሉሉን እዮም እምበር፣ ኣብ ስርሖም’ውን ከይተረፈ’ዩ ጽልዋ ዘለዎ። መብራህቲ ከብርህ ከም ዘለዎ ጥራይ እዮም ዝሓሰቡዎ። መብራህቲ ልክዕ ከም ካልእ ነገራት ዕቅን ኣለዎ። ይዕቀን’ዩ። ገሊኦም ነቲ መብራህቲ ንእሽቶ ሽምዓ ከም ዘወሉዑ የህስሱዎ። ገለ ከኣ ዳርጋ ‘ባውዛ’ ክትብሎ ዝቐርብ እዮም ዝገብሩሉ። ሰኣን ምሕሳብ’ዩ እምበር ንምግባሩ ከኣ እቲ ዝቐለለ እዩ።”እቲ ሓሳቢ፣ ፍሉያት ሓደስቲ ሓሳባት ናይ

ምምንጫው ክእለት ኣለዎ። ብልጫኡ እውን እዚ’ዩ። ንነገራት ካብቲ ልሙድ ኣጠማምታ ወጻኢ ብምርኣይ፣ ሓሳቡ የቕርበሎም። እቲ ንመብዛሕትኡ ሰብ ንቡር ዝዀነ ንዕኡ ንቡር ኣይኰነን። ነዚ ፍልልይ ‘ጥዕና’ዩ’ ዝብሎ ንሱ። ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ተመሳሳሊ ኣጠማምታ ክህሉዎ ንዕኡ ንቡር ኣይኰነን።

ዓንኬል ሓሳባቱ እውን ዝርጉሕ ሰለዝዀነ ብኡ መንጽር መረዳእታኡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ስፍሕ ዝበለ እዩ። ብሰሩዕ መዓከናት ዜና ይከታተል ብምዃኑ፣ ኣብ ህሉው እዋናዊ ዛዕባታት ዓለም ርእይቶኡ ክህብ ሓሰቡ ከካፍል ኣይእገምን እዩ።“እንታይ’ሞ ሜድያ ኣይተከታተሉን

ኢኹም - እቲ ጸገም” ብምባል’ዩ ነዚ ዛዕባ ዝጅምሮ።“ኣእምሮ መግቢ ይደሊ’ዩ - መግቢ

ኣእምሮ ከኣ ሓበሬታ ምእካብ እዩ። ብፍላይ፣ እዚ ቴክኖሎጂ ንብዙሕ ነገራት’ዩ ቀይሩዎ ዘሎ። ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ ክዛረብ ክደሊ ከለኹ ማዕቀነይ ሰብ’የ ዝስእን። ኣነ ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሸት ናይ ሜድያ ቻነላት ክርኢ እንተዘይክኢለ ‘ሕምም’ ኢለ’የ ዝሓድር።” ይቕጽል። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝገበር ዘሎ ናይ ሓርሽ ምቕታል፣ ኣብ ምጽናት ብዛዕባ ዝርከቡ ቅርስታት፣ ብዛዕባ ሓደሽቲ ምህዞታት ኣይ-ፖዳት… ክንደይ እሞ’ዩ ክብሃል እቲ ዘልዕሎ ዛዕባታት ሜድያ። ብሓበሬታ ዕልቕልቕ ዝበለ’ዩ - ሓሳቢ።“ማ! ኣነ’ዚ ባላቶሊ ዝብሃል ሰብ ክሕምመኒ’ዩ

ድልዩ ዘሎ።” ናብ ስፖርት ‘ዝል’ ኢሉ ይቕይር። መቕረት ዕላል ክውዳእ ክደሊ ከሎ፣ ናብ ካልእ ብምስጋር ሓይሊ ይውስኸሉ፣ ቅኒት ምሕያል ክእለቱ’ዩ። “ባላቶሊ ሓደ እዋን ዘበሎ መልሲ ትዝክሮ

ዶ? ስለምንታይ ኢኻ ን ‘ጋርሽያ’ ኣብ እዋን ልምምድ ሃሪምካዮ ምስ ተባህለ እቲ ዝመለሶ መልሲ ይገርመካ’ዩ! እዚ ኹሉ ወጻኢታት ተገይርሉ’ሲ ዝዀነ ደሃዩ ዝገበረ ሰብ ኣይነበረን። ኣነ ኸኣ ዜና ምእንቲ ክሰርሓሉ ኢለ’የ ሃሪመዮ ኢሉ መሊሱ፣ ኣይገርመካን - ብጣዕሚ’ዩ ዘገርም ናይዚ ሰብ።” ከምኡ እናበለ ንኹላ’ዩ ዝበጽሓ።

“ሕጂ ከኣ ሞሪኖ መጺኡ’ሎ!” ብምባል ዝጅመሮ ትንታነ ይቕጽል። ብዙሕ ዓይነት ሓሳባት ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ ከኣ ይህብ። ኣይደክምን’ዩ። ትሰምዖ ምህላውካ ንምርግጋጽ ዘምጸኦ ሕቶታት ከኣ ዓቕልኻ’ዩ ዝጸብብ። ነቲ ዝነገርኩኻ ሓውሲ ብቓል ውጽኣዮ’ዩ። ኣብታ ዝማስየላ ገዛ ዝመጽአ ሓድሽ ሰብ

እንተርእዩ ኣየጋይሾን እዩ። ነበይኑ እንተ’ሎ ምስኡ ኰፍ ክትብል’ዩ ዝዕድመካ። ነበይንኻ እንተ’ለኻ ምሳኻ ኰፍ ይብል። ከምኡ’ዩ ዝብርሆ። ዋላ ምስ ካልእ ጋሻ እንተመጸአ፣ ኣብ ካልእ ቦታ ከይዶም ኰፍ ንኽብሉ ኣይፈቅድን እዩ። ካብ መደብካ ወጻኢ ንምውሳድካ ጸገም የብሉን፣ ጥራይ ዘይኰነ ድሕር እውን ኣይብልን እዩ። ጥራይ ጽቡቕ ቆላሕታ ክትህቦ ከኣል።ኣብ ገለ እዋን ዘርእዮ ፍሉይ ጠባይ

እውን ኣለዎ’ዩ። ካብ ኩሉ ሰብ ፍንትት ኢሉ - ንበይኑ ዘወን ክብል ይቕኒ። ነበይኑ ኰፍ ይብል፣ ስቕ ኢሉ ድማ ከባቢኡ ክዕዘብ ይሕልፎ። እዛ እዋን እታ ካብ ካልኦት ሰባት ኣቓልቦ ዝደልየላ እዋን’ያ። ሕቶ’ዩ ዝደሊ - ዝሓቶ ሰብ ክርከብ ኣለዎ። ቆላሕታ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ይብል።“እንታይ ደኣ ሎም-ቅነ ዝን ትብል

ኣለኻ?” “ይገርመካ’ዩ! በየን ከም ዝመጽኣትኒ ዘይርዳኣ

ሓንቲ ሓሳብ ኣትያ ዕረፍቲ ከሊኣትኒ። ሓሳብ በዚሑኒ ኣሎ። ክውደኣ ኢለ ምስ ቀረብኩ ብኻልእ ኣንፈት ከኣ ትጅምር። ሰሙን ጌረ’ለኹ ከምዚኣ ካብ ዝኸውን። ከምዚ ኣብ ሓደ ገዛ ዘሎ ንብረት፣ ኩሉ ናብ ሓደ ኣንፈት እንተ ኣጸጊዕካዮ ዝገፈሐት ኰይና እትሰምዓካ ከምኡ’ዩ በቃ።”“ድሓን - ደሓን እሞ ክንድኡ ከኣ

ኣይትሕሰብ”“ኤእእ… ክንሓሰብ እምበር ኣለና። ሰብ ደይ

ክሓስብ’ዩ ተፈጢሩ። ሓሳባትና መሰረት ኩሉ ነገር እዮም። ሰብ ክሓሰብ ክኽእል ኣለዎ። ከይሓሰብካ ደኣ ከመይ ኣቢልካ ክውጻእ። ኣነ ይገርመኒ’ዩ ሰባት ኣይትሕሰብ ኢሎም

ክዛረቡኒ ከለው፣ እንታይ ኲን እዮም ዝብሉኒ ዘለው ብምባል’የ ዝጭነቕ። ኣነ ሓሳቢ እየ።”እዛ ቅነ፣ ሓሳቢ ምዃኑ ኩሉ ክፍጠሉ

ብምድላይ ዝሕልፋ ቅነ’የ። ብኸምኡ ድማ’ዩ ዝዛዝማ። ሰሙን ምሉእ ዝቕነዮ ሓሳብ እንታይ ምዃኑ ግን ‘እዝጊ’ዩ ዋናኡ’።ሓሳቢ፣ ንዝዀነ ሓሳብ እኹል ግዜ’ዩ ዝህቦ።

ብናቱ መዐቀኒ፣ ኣዋርሕ ሓሊፉ ናብ ዓመታት እንተቐጸለ ጸገም እውን የብሉን። ኩሉ ዝርእዮ ዘበለ፣ ሰኣን እኹል ምሕሳብ ዝጐደለ ዘለዎ ኰይኑ’ዩ ዝርኣዮ። ካብ ከምዚ ዝነቐለ’ዩ ከኣ ኣብ ምሕሳብን ምትሕስሳብን ዝጠፍአ ግዜ ንውሓቱ ብዘየገደስ ከም ቅቡልን ኣድላይን ዝጠቕሶ።ኣብ ኣእምሮኡ፣ ንነዊሕ ዓመታት

ዝተሰኽተቱ፣ እናሻዕ መልክዕን ኩርናዕ ጠመተን እናቐየረሎም፣ ‘መቕድሕ ማይ’ ምልዓል ክሳዕ ዝስእን ዘገብሩዎ ሓሳባቱ፣ ጌና ንውሓት ግዜኦም ኣይብቀዐን ዘሎ። ሕጂ እውን ዝኣክል ግዜ ሰኣን ምሃብ ናብ ዘይተደለየ መገዲ ኣብ ክንዲ ምኻድ ምሕሳብ ክህሉ’ዩ ዝመክር።“ርኢኻ’ለኻ! ዓለም ብሓሳባት እያ ተሃኒጻ።

ድሕሪ’ዚ ኩሉ እዋን - ሓደ መዓልቲ ሓሳባተይ ኣገዳሰነቶም ንምርኣይ ክትብቕዑ ኢኹም። ሕሰብ ጥራይ!” ሓሳቢ፣ ብሓንቲ ነገር’ዩ ኩሉ ፈላጢኡ

ዝሓምዮ። ሓሳቢ ምበር ተግባሪ ኣይኰነን - ከምኡ እናተባህለ ከም ዝዐለለሉ ንሱ እውን ይፈልጦ እዩ። “ድሓን! ኣብ ምሕሳብ ዝጥፈእ ግዜ ክሳራ የብሉን” በሃላይ’ዩ ዘሎ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ፣ ካብታ ኣነ ዝፈልጦ እዋን - እቲ ሓሳቢ። *** ክቡራት

ኣንበብቲ’ዛ ዓምዲዝተፈላለዩ ርእይቶታት ብተሌፎንን

ኢ-መይልን ኣብ ተኸታታሊት ጽሑፍ ‘ሲማ’ ቀሪቡ’ሎ፣ እዋኑ ሓልዩ ድማ ክቕረብ ምዃኑ ንሕብር።

Page 4: ሰንበት - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23062013.pdf · ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣ ስመራ 152817 \\\\\

ሓዳስ ኤርትራ 23 ሰነ 2013 - ገጽ 4

መበል 60 ክፋል

በዓል ወጻኢወ/ሮ ሮማ ብተግባር እታ ብደገ

ዝኣተወት መርሃዊት ሕርቃን ተሰሚዕዋ ኣዒንታ ብጽልኢ ተኺላ ጠመተት። መርሃዊት ካብቲ ከም ቀታሊ ዝሓሰበቶ ኣዒንቲ ሓትኖኣ ክትሃድም ደንበርበር በለት። ንሚልክያስ እንተዘይትርኢ ልባ ኣይምተመልሰትን። ኣዒንቲ ሓትኖኣ ልክዕ ከም ዝቐዝፍ ኲናት ከውድቓ ዝተረፎ ኣይነበረን። ‘እዋይ እንቋዕ ንስኻ ሃለኻ’ ልባ ንዝመለሳ ሚልክያ እናኣመስገነት ኣዕሚቛ ኣስተንፈሰት።“ኣበይ ጸኒሕኪ? ኣንቲ ቈልዓ ግደፊ፡

እዚ ትኸድዮ ዘለኺ ዘዋጽኣኪ ኣይኮነን።’’ ተመዓተታ። መርሃዊት ናብቲ ሓላይኣን ተኸላኻሊኣን ሚልክያስ ኣቋመተት። ኣብ ልዕሊኡ ዘለዋ እምነት ዓቢ’ዩ። ሽዑ ግና ንሱ’ውን ዘይ ከምቲ ዝኣመነቶ ርእሱ ከድንን ረኣየቶ። ነገራት ከም ዝተቐያየሩ ፈሊጣ ድማ ምኽኒት ክትምህዝ ኣብ ሓሳብ ኣተወት።“መጽናዕቲ ስለ ዝነበረና ምስ መሓዙተይ

ኣብ ላይብረሪ ጸኒሕና።’’ በለት ቅልጥፍ ኢላ። እቲ ርእሰ ተኣማንነት ዘይነበሮ ስምዒታ ግና ከም ዝፈርሀት ይሕብር ነበረ። ንግዜኡ መዐገሲ ክኾና’ምበር ሓትኖኣ ከም ዘይትኣምና ትፈልጥ’ያ።“ሓሳዊት!’’ ተጻረፈት ሮማ። “ከምዘን

ደቂ ግዜ ክትኮኒ እንተደሊኺ ኣብኣ ትረኽብያ። ግና ክትፈልጢ ካብ ስድራኺ ብሓደራ’የ ኣምጺአኪ። ከም ሓደራይ ድማ ከምታ ዝመጻእክያ ክትምለሲ’የ ዝደሊ። ስለዚ ኣነስ ኣእኪለ’የ ትብሊ እንተዄንኪ ንገርኒ ሕጂ ናብ ስድራኺ ክሰደኪ።’’ ኣብ ልዕሊ መርሃዊት ስግኣት ዝፈጥር ዘረባ ኣስምዐት። መርሃዊት ኣይኮነን ሽዑ ኣብ ፍቕሪ ወዲቓ ቅድሚኡ’ውን ካብ ኣስመራ ናብ ዓዳ ክትምለስ ትደሊ ኣይኮነትን። ጓል ኣስመራ ከም ዘይተባህለት ብኻልእ ክትጽዋዕ! ‘ክልተ ግዜ ኣይርአን!’ ኢላታ’ያ ንነብሳ።“ኣቲ ማማ እንታይ ደኣ ክገብር

ደሊኽኒ? እቲ መጽናዕቲ ብግሩፕ ኴንካ’ዩ ዝጽናዕ።’’ ተወሳኺ ሓሶት መሃዘት። ካብ ምሕሳው ወጻኢ ካልእ ምርጫ ኣይነበራን። ኣብቲ እዋን ኣስመራ ምግዳፍ ማለት ልክዕ ካብ ሞት ዘይሓይሽ’ዩ ንዓኣ። ካብ ቢንያም ምፍልላይ ሕማቕ ዘምጽእ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓ ነይሩ። ኣብ ፍቕሪ ከይትወድቕ ሓሲባ ዘይትፈልጥ ቢንያም ግና ናብ ማዓሙቑ’ዩ ወሲድዋ። ‘ካብ ቢኒ ክፍለ!’ ንነብሳ በቲ ከይወርዳ ትፈርሆ ዝነበረት ጉዳይ ደንገጸትላ። ብዘይካ ምስ ሓትኖኣ ምምስሳል ካልእ ዝሓይሽ ክህሉ ከም ዘይኮነ ድማ ተገንዘበት። ፍቕሪ ፈለማ ዝጽወር ኣይኮነን። ንሳ ድማ ኣብ ፍቕሪ ፈለማ’ያ ነይራ።“ንዓይ ኣይተታልንን ኢኺ። ኣይኮነን

ንስኺ ምንም ዘይትፈልጢ፡ እቶም ንፈልጥ ኢና ዝብሉ’ውን ኣየታለሉንን!’’ ንወዳ እናጠመተት መለሰት። ናይ ዘረባኣ መልእኽቲ ካብ መርሃዊት ሓሊፉ ንሚልክያስ ዝምልከት’ዩ ነይሩ። “ተኣዚዝኪ ትኸዲ እንተዄንኪ ኪዲ። እንተዘይኮነ. . .” ወ/ሮ ሮማ ከይቀጸለት ወዲኣ። መርሃዊት ግና ናይቲ ዝተቛረጸ ዘረባ መልእኽቲ ተረዲእዋ’ዩ። ‘እንተዘይኮነ ንዓደይ ክትሰደኒ’ያ’ ድማ በለት ስግኣታ ንነብሳ እናነገረት። “ኪዲ ሕጂ ኣይትረኣይኒ!’’ ኣባረረታ። መርሃዊት፡ ኣደን ወድን ኣብ ሳሎን ገዲፋ ናብ መደቀሲኣ ኣበለት።

***ሶልያና ድሕሪ ሰሙናት ንፈለማ

እዋን ኣብ ናይ ቀደም ዓራታ ደቂሳ ከም ዝሓደረት ምስ ተበራበረት’ዩ ተረዲእዋ። ‘እዋይ ኣብ ገዛይ ድየ ዘለኹ’ በለት

ብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]

ኣዒንታ ከፊታ ከባቢኣ ምስ ጠመተት። ኣብ ቤታ ምሕዳራ ብዙሕ ስምዒት ኣይሃባን። ምንም ዝፈጠረላ ናይ ሓጎስ ስምዒት’ውን ኣይነበረን። ሳዶር ምስ ፈለጠ ዝፍጠር ጸገም እናተሓሳሰባ ኣብ ወጋሕታ’ያ ቀም ኣቢላ። ምሉእ ለይቲ ክትበራበርን ሃተፍተፍ ክትብልን’ያ ሓዲራ። “ሶልያና ጓለይ ከመይ ሓዲርኪ?’’

ወ/ሮ ንጽህቲ ናብ መደቀሲኣ መጺኣ ሓተተታ። ድሕሪ ሰሙናት ኣደን ጓልን ናይ ፈለማ ናይ ንግሆ ሰላምታ ይለዋወጣ ነበራ።“ደሓን’የ ማማ!’’ በለት ካብ ክሳድ

ንላዕሊ ክምስ እናበለት። ኣደኣ ብዝሓዘነ ገጽ ቀው ኢላ ጠመተታ። ጓል ከምቲ ትፈልጣ ዘይምንባራ ገጻ ኣረጋጊጹላ’ዩ። ኣብ መንጎ ኣደን ጓልን ንገለ ካልኢታት ስቕታ ሰፈነ።“ከመይ’ሞ ረኺብክዮ ናብ ቤትካ

ምምላስ?’’ እትብሎ ክትሰምዕ ሓተተታ። ጣዕሳ ዝስመዓ’ዩ ዝመስላ ነይሩ። ኣብ ልቢ ጓላ ዝነበረ ስምዒት ትፈልጦ ኣይኮነትን። በ ቲ

ንዓኣ

ዝስመዓ ዝ ነ በ ረ ስ ም ዒ ት ’ ያ ትዕይራ ነይራ።“ዝዓበኽሉ ገዛ

እንድዩ ኣቲ ማማ’’ በለት ብድብድቡ። ናብ ካልእ ዝርዝር ክትኣቱ ኣይደለየትን። ምኽንያቱ ናብ ዝርዝር ምእታው ናቱ ጸገማት ከም ዘለዎ ተረዲእዋ ነበረ። “ዝዓበኹሉ ገዛ ደኣ ብዘይካ ጽቡቕ ብኻልእ ከመይ ገይረ ክገልጾ?’’ ብሓውሲ ስምዒት ሓበረት።“ገዛኻ ዝመስልዎ የለን ሶልያና ጓለይ።

ካብ ቤታ ዝወጸት ጓል ዝረኸበት ትርከብ ክብሪ ግና እንግድዓኣ’ያ ትህባ። ንጓል ድማ ካብ ክብሪ ወጻኢ ካልእ ኣብ ቅድሚት ዘድልያ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። እንታይ ዝዓብስ ገንዘብ’ዩ ሶልያና ጓለይ! መንዚረንሲ ገንዘብ ይረኽባዶ የለዋን። ግና ክብረን ስለ ዝሸጣ ወላ ካብ ዘለውኦ ስራሕ ምስ ወጻ’ውን ክብሪ ክረኽባ ኣይክእላን’የን። ሕብረተሰብና ንሕማቕ ባህሊ ኣሜን ኢሉ ዝቕበል ኣይኮነን። ክብሪ ንሰብ ከም ሰብ ዘቑጽሮ’ኳ እንተኾነ ንጓለንስተይቲ ግና ዝያዳኡ ሓለፋ ኣለዎ።” በለት ኣደ ምዕዶኣ ብምዕማቑ። ሶልያና ናይ ኣደኣ ምዕዶ ዘይርደኣ ኣይነበረን። ግና ኣእምሮኣ ክብሪ ሓዊስካ ዝሸጥካ ሸይጥካ ከመይ ገይርካ ወጻኢ ትበጽሕ ዝብል ሕማም ለኺፍዎ’ዩ። እዚ’ዩ ድማ ዝተባህለት እንተተባህለት ዝሰምዕ እዝኒ ክትፈጥር ዘይከኣለት። “እንታይ ደኣ ስቕ

ኢልኪ? እዚ ዝብለኪ ዘለኹ ኣጽሊኡኪ ድዩ?’’“እንታይ ኮይነ ዝጸልኦ! ኣይጸልኦን’የ

ማማ። ባባ ትማሊ ዝበለኒ ግና ከተሓሳስበኒ’ዩ ሓዲሩ። ‘ብግቡእ ሽማግለታት ምስ ሰደደ ንርእዮ’ ምባሉ ኣይተረድኣንን። እንታይ ማለቱ’ዩ?’’ ክትብል ነቲ ከየደቀሳ ዝሓደረ ዘረባ ደገመቶ።“ዘረባ ምቁሳል ትርጉም የብሉን ’ዛ ጓለይ!

እንታይ ደኣ ክብል ደሊኽዮ? ሳዶር ከም በጊዕ ጎሲሱ ድዩ ክወስደኪ ትጽበዩ ዘለኺ? ከምቲ ግቡእ ሽማግለታት ልኢኹ ዋሕስ ተኺሉ’ዩ ክወስደኪ ዘለዎ። ንህና ድማ ከም ክቡራት ዓጽሚ ንዓኡ ጥራይ ኢና ነፍቅድ። ስለዚ ኣቦኺ ነዚ ዝገለጽኩልኪ ጉዳይ’ዩ ኣብ እዋኑ ንዘራረበሉ ዝበለ። እዚ ድማ ንረብሓኺ’ምበር ንረብሓ ማ ን ም ኣይኮነን።’’ ብምባል

ኣብርሃትላ።“ኣነ ብኸምኡ ኣይተረዳእኽዎን። ከምኡ እንተኾይኑ ግና ጽቡቕ።’’ በ ለ ት ሶልያና። ም ስኣ

ዝሓደረ ስምዒት ድማ

ፍኹስ ክብል ተረድኣ።“ደሃይከ ይገብር ኣሎዶ?’’ ስም

ሕጹያ ከይጠቐሰት’ያ ሓቲታታ። እታ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ ሳዶር ዝነበራ ጽልኢ ኣብ ገጻ ተነበበ። ‘እዋይ!’’ ድማ በለት ብልባ። ‘ዓሻ ጓል ምስ ጸላእቲ ስድርኣ ተመርዕያ መርቑኒ ትብል’ ድዩ ዝብል ዝነበረ ኣባሓጎይ በለት ገሪምዋ። እቲ ገና ክእቶ ዝሕሰብ ዝነበረ መርዓ ከመይ ከም ዝኸውን ካብ ሽዑ’ዩ ዘተሓሳስባ ነይሩ።“እወ’’ መለሰት ጓላ ብሓጺሩ። እቲ

ኣርእስቲ ኪንይኡ ክኸይድ ኣይደለየቶን። “በሊ ማማ ምስ መሓዛይ ቆጸራ ስለ ዘለኒ ቆሪሰ ክወጽእ።’’ በለት እናተሃወኸት።

***ሚልክያስ ምስታ ክሕጸያ ዝሓስብ ዝነበረ

ኣዛሄር ካብ ገዛውቶም ከይረሓቑ’ዮም ተራኺቦም። ግና ኣብ ክንዲ ናይ ሕጸኦም ኣብ ካልእ ዕላል’ዮም ኣትዮም።“ኣነስ በል ኣይተረድኣንን’’ በለት

ኣዛሄር ኣብ ናይ ድራር ኣጋጣሚ ዘርኣየቶ

ስምዒት ተላዒሉ ሚልክያስ ምስ ነቐፋ። “እንታይ ኮይነ’ሞ ክጽወገሉ?”“ክትኮርዒ ደሊኺ ከይትኾኒ’’ በለ

ሚልኪያስ ብዋዛ እናኽመስመሰ። “ግና ሓደ ነገር ክሓተኪ ደስ ምበለኒ።’’ ፍቓድ ክትህቦ ዝጽበ ክመስል ዘረባኡ ኣቋሪጹ ጠመታ። “ኣነስ ኣብ መንጎ ክልቴኹም ገለ ምስጢር ከይህሉ’ዩ ኣጠራጢሩኒ ዘሎ።’’ ግርህ ኢሉ ስምዒቱ ሓበራ። ኣዛሄር ግና ካብ ግርህነት ወጻኢ እናሓሰበት’ያ ሰንቢዳ። ሚልክያስ ኮነ ኢሉ ክፍትሻ ዝተዃቱኻ ዝመስላ’ዩ ነይሩ። ገለ ዝጠርጠሮ ከይህሉ ኣፍሪሕዋ ነበረ። ንመርሃዊት ስለ ዘይትኣምና’ውን እቲ ዝበለታ ብምሉኡ ክትቅበላ ኣይከኣለትን።“እንታይ ምስጢር’ሞ ክህልወና’ዩ?’’

ብሕቶ ተቐበለቶ። “ኣነ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ርእየዮ እፈልጥ’የ ዝብል እምነት የብለይን። ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና ንሱ ከም ዝፈልጠኒ ኣብ ቅድመኹም ተዛሪቡ። ምስጢር

እንተዝህልዎ ትም ይብል ኢልካ

ትሓስብ?’’ ብምባል ክትከላኸል ፈተነት።

“ደቀስመራ ኣበይ ትፍለጡ ኴንኩም? ነዞም ካብ ወጻኢ ዝመጻእና ከም ኣጋይሽን ፋራታትን እናሓሰብኩም ትላገጹልና ትኾኑ። መንዶ ይኣምነኩም’ዩ?” በለ ብውሽጡ እናሰሓቐ። ኣዛሄር ነቲ ዘረባ ግብረ መልሲ ኣይሃበትሉን። ግና ብዓይኒ ትዕዝብቲ ቀው ኢላ ጠመተቶ። ኣብ ገጹ ድማ ካብ ስምዒት ግርህነት ወጻኢ ካልእ ዝረኣየቶ ዘጠራጥር ነገር ኣይነበረን። “ዝኾነ ኮይኑ ዋዛ ገዲፍና ብዛዕባ ሕጸና ንዘራረብ። ቅድሚኡ ግና ከይረሳዕኩ እንከለኹ ብዛዕባ መርሃዊት ገለ ነገር ክብለኪ።” ከም ዝሓስብ ነዊሕ ስቕ በለ። “እዛ ቈልዓ ከም ዝርእያ ዘለኹ ኣብ ከቢድ ፍቕሪ ወዲቓ ዘላ ትመስል። ኣነ ድማ መዓልተይ ይቀራረብ ኣሎ። ኣብ ቅድሚኣ ዘለኺ ንስኺ ኢኺ። ፍቕሪ ከምቲ ዝግባኦ ኣተሓሕዛ እንተዘይገይርካሉ ሓደገኛ ምዃኑ ኩልና ንፈልጦ ኢና። ስለዚ ሓገዝኪ ክፍለያ የብሉን። እዚ ወዲ ደሓን ኮይኑዶ ይስመዓካ ሓቀይ!’’“እዋእ ከመይ ገይርካ ከምኡ ትብል?’’

ዝገረማ መሰለት። “ኣብ ሓደ መዓልቲዶ ሰብ ይፍረድ’ዩ? ኣወዳት ኣስመራ ግዜ ወሲድካ ኢኻ ትፈልጦም። ወረ ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝፍለጥ

ኣይኮነን። ጨውን ሽኮርን እንተኾይኑ ኢኻ ኣብ ሓደ መዓልቲ ትፈልጦ’ምበር። ሰብ ግና ዘይጠዓም ፍጥረት’ዩ።’’ ብምባል ኣብ ልዕሊ ቢንያም ስውር መጥቃዕቲ ፈጸመት።“ቁሩብ ገምጋምከ ክትወስድ

ኣይትኽእልን?” ንዘረባኣ ስለ ዘይኣመነሉ ተቛዉሞ ዝመስል ዘረባ ኣስምዐ። “ከም መሓዛኺ መጠን ክሳብ ሕጂ ኣየዕለለትክን ክብል ኣይደፍርን። ዓመታት ብሓደ ዝኸዱ ፍቑራት’ዮም መስለኒ። ብዛዕባ ባህርያቱ ኣይፈልጥን’የ ትብልኒ ኣለኺ ማለት ድዩ? ወላ ቑሩብ?’’ ዝገረሞ መሰለ።“ኣብ ፍቕሪ ዝኣተወት ጓል ብዛዕባ

ኣፍቃሪኣ ትብሎ ክጠፍኣኒ ኣይክእልን’ዩ! ኣፍቃሪት ብዝበለትካ ሰብ ትመዝን እንተዄንካ ድማ እቲ ቅኑዕ ይኽወለካ’ዩ።” ብምባል መህደሚ ክትረክብ ሒዂ በለት። ኣብቲ ዘረባ ርእይቶ ምሃባ ከየጣዓሳ ኣይተረፈን። ሓሶታ ከይክሻሕ ኣብ ስክፍታ ወዲቓ ነበረት።“ኣብ ኣፍቃሪ መርሃዊት ጽቡቕ

ኣይረኣኹን ዲኺ ትብልኒ ዘለኺ?” ግብረ መልሳ ክሰምዕ ተሃንጥዩ ተጸበየ። ዘራኸቦም ኣገዳሲ ጉዳይ ተረሲዑ ኣብ ዘይሓሰብዎ ኣርእስቲ ክካትዑ እቲ መድረኽ ገዲድዎም ነበረ።“ኣንታ ምስ መሓዛይ ከይተባእሰኒ

በጃኻ!’’ ስግኣታ ገለጸት። “ዓመታት ገይሮም ክነሶም ኣይተፋለጥናን እንተኢለካ’ኳ ተወዲኡ ማለት’ዩ። ናይ ዘይትፈልጦ ሰብ ጽቡቕን ሕማቕን ክትመሚ ኣይትኽእልን ኢኻ መስለኒ። እዛ ኣርእስቲ እንተዝኣኽላ ኣይሓይሽን።’’ ክትዕጾ ደለየት።“ቅድሚ ምዕጻዋ ግና እዚ ዘረባኺ ናብ

ገለ ጥርጠራ’ዩ ወሲዱኒ።”“ኣንታ እንታይ ጥርጠራኡ?

ኣውሪዱለይዶ ኣዛሄር!’’ ከይተረድኣ ሓረቐት። “በጃኻ ጠባይ ናይ መርሃዊት እናፈለጥካ እዚ ዘረባ’ዚ ኣይትደጋግሞ።” ስግኣታ ገለጸት። “ኣብ ሕጸና ኣተኲርና ንዘራረብ።’’ ነቲ ኣርእስቲ ባዕላ ክትዓጽዎ ደለየት።

***ኣብ መደቀሲ ሚልክያስ ክተጻራሪ ምስ

ኣተወት’ያ ጭንቀት ዝፈጥረላ ዝነበረ ጉዳይ ክትሕብሮ ዝወሰነት። ሚልክያስ ገና ኣብ ዓራቱ’ዩ ነይሩ። ካብ ድቃስ ተበራቢሩ ምንባሩ ግና እተን ቆላሕላሕ ዝብላ ኣዒንቱ ይምስክራሉ ነበራ። መርሃዊት ምስ ሓትኖኣ ዝነበራ ጸገም ድሕሪ ምልክያስ ናብ ካልእ ኣንፈት ከይምዕብል ስለ ዘስግኣ’ያ ውሕስነት ክፈጥረላ ክተማኽሮ ደልያ።“ኣነስ ኣንታ ሚልክያስ ሓወይ ናይ

ማማ ነገር ኣየቕሰነንን ዘሎ።’’ ድፍር ኢላ’ያ ንኣደኡ ጠቒሳ ኣልዒላትሉ። ዝነበሮም ቅርርብ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ክትዛረብ ትብዓት ኮይንዋ ነበረ።“ናይ ማማ እሞ ሓንሳብ ይጽናሕ!’’

በላ ካብ ዓራቱ ብድድ እናበለ።

ይቕጽል

Page 5: ሰንበት - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23062013.pdf · ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣ ስመራ 152817 \\\\\

ሓዳስ ኤርትራ 23 ሰነ 2013 - ገጽ 5

ኣይትንብዒ’ባ ኣደ!ጸጋብርሃን ጎይትኦም

ኣይትንብዒ’ባ ኣደ - ንምንታይ ትነብዒ? ሓደን በዂርን ሕሳስ ልደን ወድኺ መዓስ ሞይቱ፡ መን’ዩ ኸ ሞይቱ ትሕቲ ባይታ ሰፊሩ ዝበለኪ? ወረ መን’ዩ የለን ዝበለኪ?

ንሱ ንዘልኣለም ዓሪፉ ድሕሪ ደጊም ኣይምለስን’ዩ ዝበለኪ ኣደ መን’ዩ?ሓደ ወድኺ ንምንታይ ድዩ

ወፊሩ? ንእስነቱ ከየስተማቐረ ናበይ ድዩ ኣምሪሑ? ሞት ኣብ ቅድሚኡ እናሃለወ ንምንታይ ድዩ ምስ ሞት ተፋጢጡ? ኣደ ወድኺ እናተዓንቀፈ ቕድሜኻ ይስጣሓኒ ኣይበልክን ዲኺ? ኩሉ ንሞት ፈሪሑ ካብ ሞት እናሃደመ፡ ዕድመ ዝጸገበ ሞት ከይትመጾ እናሰግአ፡ ንስኺ ግን ኣደ - “ቅድሚ ውሉደይ ኣይምውትን ኣነ” እናበልኪ ንሞት ዘይፈራሕኪ ንምንታይ ድኣ ኣደ ኣብ ሎሚ በጺሕኪ ትነብዒ ኣለኺ?ሰረት ዕላማኡ ሸቶኡ ሃሪሙ፡ ንሱ

ሳላ ዝሓለፈ ዕላማኡ ተዓዊቱ፡ ነብሱ ካብ ሞት ሳላ ዘየገላገለ መስቶርሆት ተፈጢሩ፡ ወድኺ ብዘይምህላዉስ ኣደ ናጽነት ተኣዊጁ። ንምንታይ ድኣ’ሞ ትነብዒ ኣለኺ? ወድኺ ዝተበገሰሉ ዕላማ ፈሺሉ ውርደት እንተዝስከም፡ ኣስጋዲኡ ተርኒዑ ሰላምና እንተዝዝረግ፡ መጻእ ወድኺ ጸልሚቱ እንተዝተርፍ፡ ንሃገር ወፊሩ እንተዝስእና ሃገር፡ ሽዑ ምነባዕኺ ኣደ፡ ዓው ኢልኪ መልቀስኪ፡ ሽዑ ምሓዘንኪ ወደይ ንኸንቱ ጠፊኡ ኢልኪ።

ኣይሰማዕክን ዲኺ፡ ልዕሊ 30 ዓመት ዝኸደ ቃልሲ፡ “ታይምል

ታይገርስ” ዝተባህለ ኣብ ህንዲ ዝርከብ ሰውራዊ ውድብ ብጥፍኣት ከም እተዛዘመ። እዚ ታሪኽ ኣብቲ ወድኺ ዝተወፈየሉ ዕላማ ተፈጺሙ እንተዝነብርከ ኣደ እንታይ ምበልኪ? ካብ ደኒንካን ተጎምቢሕካን ምስጋድ፡ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ኣፍልብኻ ነፊሕካ ምኻድ ይበልጽ ዶ ኣይኮነን መትከል ወድኺ ኣደ? መጻኢ ወለዶ ከም’ቲ ንሱ ዘሕለፎ መከራ ከየሕልፉ ዶ ኣይኮነን ወፊሩ ኣደ? ደረቱ ዝነፍሐ ህዝቢ ንምርኣይ ዶ ኣይኮነን ነቒሉ ኣደ? ናተይ ዝብላ ሃገር ኣብ ዓለም ክትህልዎ ዶ ኣይኮነን ተላዒሉ ኣደ? ማንም ዘየፍርሶ ዕላማ ሒዙ ዶ ኣይኮነን ተበጊሱ ኣንቲ ኣደ?ከም’ቶም ምቾት ኣቐዲሞም

ድሕሪት ዝጠመቱ፡ ከም’ቶም ቕድሚ ሃገሮም ጥቕሞም ዘቐድሙ፡ ከም’ቶም ቕድሚ ህዝቦም ከብዶም ዘቐደሙ’ሞ ላንጋ-ላንጋ ዝተረፉ፡ እንተዝኸውን ወድኺ ኸ ማማ ከመይ ምነባዕኪ? ከም’ቶም ብዘይጭበጥ ሕልሚ ሃብቲ ዓዲ ጓና እናቋመቱ፡ ቐባሪ ኣብ ዘይብሉ በረኻን ምድረበዳን ባሕሪን ዝጠፍኡ እንተዝጠፍእ ከ ኣደ? ብዘይጠቅም ረብሓ ዕላማኡ ስሒቱ ብጾቱ ራሕሪሑ ናብ ዓዲ ጓና ኣምሪሑ እንተዝመራሳሕ

መን’ዩ ሰብ?

ከ ማማ ከመይ ምነባዕኪ?ወድኺ ድኣ ምዓስ ዝብከዮ ኮይኑ፡

ነዛ ሓላል ሃገር ከም ሃገር ኣቚሙ እንድዩ ሓሊፉ፡ ኣብ’ቲ ዘልኣለማዊ ታሪኽ ሓደ ዓቢ ምዕራፍ ገዲፉ

ኣደ፡ ንሞት ከይፈርሐ ንሞት ገጢሙ’ዩ ተዓዊቱ? ንጽባሕ ሓሊኑ ኣብ ትማሊ ግቡኡ ፈጺሙ’ዩ ኣደ፡ ዝተዘርገ ሰላም ኣልቢሱ’ዩ ሓሊፉ ማማ። መርዓን ውላድን ከይበለ ንኤርትራ ኣመርዕዩዋን ሰሊምዋን’ዩ ሓሊፉ ኣደ፡ ንጥፍኣቱ ምስ ተኣወጀ ህላውነቱ ኣረጋጊጹ’ዩ ሓሊፉ ኣደ። የለኻን ምስ ተባሃለ ኣለኹ ኢሉ’ዩ ሓሊፉ ኣደ - ነዝስ ኣይንብዖን ማማ።ኣደ፡ መላእ ኣካላትኪ ብፈተሻ

ኣምሲሎም እናጋሃስዎ፡ መሰልኪ ተገፊፉ ህላውነትኪ ምስ ሰኣኖ፡ ደቀንስትዮ ኣሕዋቱ መጻወቲ ጓና ኮይነን እናርኣየ፡ ናተይ ዝብላ ሃገር ስኢኑ ብትእዛዝ ጓና እናኸደ፡ ንስኺ ኣደኡ ብገዚፍ ጫማ ክሰሃሉኺ እናርኣየ፡ ህጻናት ብታንኪ ክጭፍለቑ ኣብ ቕድሚ ዓይኑ እናተዓዘበ፡ ዓድታት ብኣልማማ ክቃጸላ መዓልታዊ እናሰምዐን እናተዓዘበን፡ መሬቱ ዘይ ደቂ መሬት ከሽካዕሉሉ ብዓይኑ እናረኣየ፡ ኩሉ ሕሰም ብኣካል እናስተማቐረ ከመይ ኢሉ ስቕ ኢሉ ክዕዘብ ኣደ።ምዕራፍ ዕላማኡ ተግባራዊ

ክኸውን ህይወት ተሓቲቱ፡ ንራህዋ’ዛ ዘይትካእ ህይወት ከፊሉ፡ ንወለዶታት ድማ ዓወት

ኣበሲሩ፡ ነዝስ ኣይብከዮን ኣደ። ዝወፈሮ ወፍሪ ብስዕረት እንተዝዛዘም፡ ንሃገር ነቒሉ ሃገር እንተዝስእን፡ ንሱ ተሰዊኡ ዕላማኡ ብስዕረት እንተዝዛዘም፡ ሃገር ከየቖመ ዘልኣለም እንተዝሓልፍ፡ ሽዑ’ዩ ምተለቕሶ - ዓው ኢልካ ዝብከዮ።ኣደ ሓድነትና ተበቲኑ ዘራጊቶ

እንተዝኣትዎ፡ ውልቃውነት ሳዕሪሩ ጉዳይ ሃገር ተረሲዑ ንረብሓና እንተንቀዳደም፡ ዕላማ ወድኺ ተረሲዑ ዕላማ ሰብ ፍሉይ ረብሓ እንተንኸውን፡ ሽዑ’ዩ ወድኺ ሞይቱ። እምበር ወድኺ ዝተለሞ ሓድነት ሰሲኑ፡ ዝተመነያ ሃገር ርእሳ ኣቕኒዓ፡ ሰላማ ክውን ኮይኑ፡ ምዕባሊኣ ሰማይ በሪኹ፡ ወድኺ ኣይሞተን ኣደ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣሎ፡ ኣይትንብዒ ኣደ፡ ዝንብዖስ ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ኣይሞተን ወድኺ ህያው’ዩ ዘሎ፡ ንሱ ዝተበጀዎ ኩሎ ሰብ እነሀለ እንዶ ይነብሮ። ናይ ስጋ ኮይናትኪ ንብዓት ጥብ እንተቢልኪ ኣደ፡ ዕላማ ወድኺ’ሞ ዘክሪ ሽዑ ኩርዒ። እምበር ዝንብዖስ ኣብ ካልእ’ዩ ዘሎ። ንስኺ ግን ኩርዒ፡ ወድኺ ሞይቱ ዘይኮነ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ዝነብር’ዩ ዘሎ። ኣይትንብዒ ኣደ።

Page 6: ሰንበት - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23062013.pdf · ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣ ስመራ 152817 \\\\\

ሓዳስ ኤርትራ 23 ሰነ 2013 - ገጽ 6

Page 7: ሰንበት - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23062013.pdf · ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣ ስመራ 152817 \\\\\

ሓዳስ ኤርትራ 23 ሰነ 2013 - ገጽ 7

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ተካኢ ከዋኽብቲ ማእከል ሜዳ ስጳኛቲያጎ

ኣብዚ እዋን’ዚ ወኒንዎ ብዝርከብ ልዑል ብቕዓት ጸወታን ካብ ማእከል ሜዳ ናብ ልዳት መጋጥምቱ ጋንታታት እናሓለፈ ብዘመዝግቦ ብሉጽ ሸቶታትን ኣቓልቦ ሓያለ ዓበይቲ ጋንታታት ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ሃሚን ቀልቢን ናይታ መስመር ምክፍፋላ ብወሰንቲ ተጻወትቲ ዳግም ብምትካእ ናብቲ ወሓለታት ማእከል ሜዳ ዝነበሩ ኣየርላንዳዊ ሮይ ኪንን እንግሊዛዊ ፖል ስኮልስን ዝነገሱሉ ዘመነ 90ታት ንምምላስ ኣንቂዳ ከምዘላ ብሰፊሑ ዝንገረላ ዓርሞሸሽ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር-ዩናይትድ ኣመና ስሒቡ ዝርከብ ኮኾብ ማእከል ሜዳ’ዩ።እዚ ካብ ክለቡ ሓሊፉ ንሃገራዊት ጋንታ

መንእሰያት እስጳኛ ዕዙዙ ኣበርክቶ ኣብ ምሃብ ዝርከብ ተጻዋታይ’ዚ እብዚ እዋን’ዚ ኣብታ ንከም ዣቪ፡ ኢንየስታ፡ ቡስኬትን ፋብሪጋስን ዝኣመሰሉ ከዋኽብቲ ዝሓቖፈት ብልጽቲ ክለብ ዓለምና ምዃና ዝእመነላ ባርሴሎና ከምቲ ዝድለ ብቐዋምነት ናይ ምስላፍ ዕድል ይረክብ ከምዘየለ’ዩ ዝእመን።እንተኾነ ግን እታ ካታሎናዊት ክለብ

ናይ መጻኢ ብቑዕ ተካኢ ናይቶም ንዓመታት ዘገልገልዋ ከዋኽብቲ ተጻወትቲ ማእከል ሜዳ ምዃኑ ኣረጋጊጻ ብምእማን ይትረፍ ብመሸጣ ዋላ’ውን ብመልክዕ ለቓሕ ናብ ካልኦት ክለባት አሕሊፋ ክትሰዶ ከምዘይትመርጽ’ዩ ዝግለጽ፡፡ ነዚ ናይ 30 ሚልዮን ዩሮ መዐደጊ ዋጋ ተለጢፉሉ ዝርከብ ስጳኛዊ ኣከፋፋሊ ቲያጎ ኣልካንታራ ዶ ናሲሜንቶ።ኣብ ናይ ሎሚ ሰንበት ሕታምና

እምበኣር ነዚ ዝሓለፈ ሳምንቲ ኣስራኤል ኣብ ዘአንገደቶ ሻምፕዮን መንእሰያት ሃገራት ኤውሮጳ ትሕቲ 21 ዓመት ንሃገራዊት ጋንትኡ መሪሑ መሳጢ ብቕዓት ብምንጽብራቕ ዋንጫ ናይ ዘልዓለን ድሕሪ ሓደ ዓመት ብራዚል ኣብ ዝካየድ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2014 ተስፋ ስጳኛውያን ክኸውን ልዑል ትጽቢት ተነቢሩሉ ናይ ዘሎን ኣከፋፋሊ ስፖርታዊ ድሕረ ባይታ ዘላሊ ጽሑፍ ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣሎና፡ ሰናይ ንባብ።

** ** **

ቀዳሞት ዓመታት ንእስነት ቲያጎ

11 ሚያዝያ 1991 ሳን-ፔትሮ ቨርኖቲኮ

ኣብ እትበሃል ኢጣልያዊት ከተማ ካብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ብራዚላዊ ኣቦ ዝተወልደ እስጳኛዊ ቲያጎ ኣልካንታራ ዶና-ሲሜንቶ ናይ ህጻንነት ዕድሜኡ ምስ ጋንታ ብምትብባዕ ወላዲኡ ፍቕሪ ጸወታ ኩዕሶ ካብ ህጻንነቱ ዝሰረጾ ቲያጎ ምስ ወላዲኡ ናብ ስጳኛ ድሕሪ ምግዓዙ ናብ ኣካዳሚ ኩዕሶ እግሪ ህጻናት ክለብ ኡሬካ ብምጽንባር ኣብ ዉሑድ ዓመታት ክእለቱ ከዕቢ’ዩ ክኢሉ። ኣብ ሓጺር እዋን ብዘርኣዮ ተስፋ ዝነበሮ ብቕዓት ጸወታ ድማ ኣብ 2001 ናብ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ህጻናት ኬልመ (kelme Cf) ተሰጋጊሩ ኣብ ሓያለ ግጥማት ዝነኣድ ምንቅስቓስ ከርኢ ብምብቅዑ ካብ መዛንኡ ተጠማቲ ተጻዋታይ ክኸውን ጊዜ ኣይወሰደሉን።ኣብ ዓስራይ ዓመት ዕድሜኡ ናብ

ብራዚል ተመሊሱ ምስታ ኣብ ህጻንነቱ ጸወታ ዝጀመረላ ክለብ ህጻናት ፍላሚንጎ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ህጻናት ውድድራት ብምጽዋት ብቕዓቱ ዘመስከረ ህጻን ቲያጎ ኣብ 2005 ደጊሙ ናብ ካታሎናዊት ክለብ ባርሴሎና’ዩ ክምለስ መሪጹ።

ዕዉት ዓመታት ኣብ ኣካዳሚ ‘ላማስያ’

ናብቲ ብደረጃ ዓለም ዓቢ ተፈላጥነት ዘለዎን ንከም ኣርጀንቲናዊ ሊዮነል መሲ፡ ስጳኛውያን ዣቪ፡ ኢንየስታን ካልኦትን ናይ ዓለምና ስሙያት ተጻወትቲ ዘፍረየ ኣካዳሚ ኩዕሶ እግሪ ላማስያ ክጽንበር’ዩ ዝኸኣለ ቲያጎ ኣብቲ እዋን ናብ ስጳኛ ንምምላስ ዝወሰዶ ምርጫ ነዚ ሕጂ ወኒንዎ ዝርከብ ብቕዓት መሰረት ክኾኖ ዝኸኣለ ቅኑዕ ምርጫ ምንባሩ’ዩ ብተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ብሰፊሑ ዝእመነሉ።

ቲያጎ ኣልካንታራ ኣብቲ ኣካዳሚ ብዝቐሰሞ ልዑል ስልጠናታት ኩዕሶ እግሪ ካብ 2008 ክሳብ 2011 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ምስታ ተካኢት ዓባይ ጋንታ ባርሴሎና (Barcelona B) ዝኾነት ጋንታ መንእሰያት ኣብ 59 ግጥማት ብምስላፍ ብዘርኣዮ ድንቂ ብቕዓት ንኣሰልጣኒ እታ ዓባይ ጋንታ ዝነበረ ፐፕ ጓርድዮላ’ውን ክማርኽ ብምኽኣሉ ኣብቲ ክለብ ባርሴሎና ኣብ 17 ግንቦት 2009 ምስ ክለብ ማዮካ ዘካየደቶ ናይ ግጥም ንኣይስላንዳዊ ኤይዱር ጉድየንሰን ተኪኡ ፋልማይ ናይ ላሊ-ጋ ጸወትኡ ከካይድ በቕዐ።ኣብ 20 ለካቲት 2010 ድማ ኣብ

ስታድዩም ኖ ካምፕ ንኣይቮርያዊ ያያ ቶረ ተኪኡ ናብ ሜዳ ብምእታው ኣብቲ ክለብ ባርሴሎና 4ብ0 ዝተዓወተትሉ ግጥም ፋልመይቲ ሸቶኡ ኣብ ሰኪዔት ክለብ ሬሲንግ- ሳንታንደር ኣቐመጠ። ቲያጎ ኣብቲ ዝበዝሐ እዋን ከም ተቐያሪ ናብ ሜዳ ብምእታው ብቕዓቱ ብግብሪ ዘርኣየሉ ዓመት ስፖርት 2009/10 ካብ 17 ግጥማት ብስሙ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብን ንሸቶ ዝበቕዓ ሰለስተ ኳዓሳሱ ብምቕባልን ዕዉት ናይ ውድድር ዓመት ምሕላፉ’ዩ ዝግለጽ።ኣብ ዝሰዓበ ናይ ውድድር ዓመት’ውን

ልዑል ብቕዓቱ ዘርኣየ ቲያጎ ኣልካንታራ እታ ካታሎናዊት ጋንታ ብሩህ መጻኢኡ ብምግንዛብ ንዘቕረበትሉ ክሳብ ሰነ 2015 ዝጸንሕ ሓድሽ ውዕል ክፍርም’ዩ ተራእዩ። ኣብ ዓመተ ስፖርት 2011/12 ኣብ ሓያለ ወሰንቲ ግጥማት ከይተረፈ ካብ ፈለማ ብቐዋምነት ብምስላፍ ንኣሰልጣኒ ጓርድዮላ ክምስጥ ዝኸኣለ ቲያጎ ካብቲ እዋን’ቲ ንደሓር ኣብ ክለብ ባርሴሎና ብሩህ መጻኢ ካብ ዝጽበዮም መንእሰያት ተጻወትቲ ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑ ተጻወትቲ ብምዃን ዕዉት ናይ ጸወታ ጊዜኡ ኣብ ምሕላፍ ይርከብ ኣሎ። እስጳኛዊ ቲያጎ ዛጊት ማልያ ክለብ

ባርሴሎና ወድዩ ኣብ ውድድራት ላሊ-ጋ ይኹን ኣኤውሮጳ ኣካይዱዎም ካብ ዘሎ 160 ግጥማት 14 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ከምዝርከብ መዛግብቲ’ታ ካታሎናዊት ጋንታ

ይሕብሩ።

ቲያጎ ኣብ ሃገራውያን ጋንታታት ስጳኛ

ካብ ተዓዋቲ ዋንጫ ዓለም ዝነበረ ብራዚላዊ ኣቦ ተወሊዱ ክንሱ ዕድሜኡ ንኣህጉራዊ ግጥማት ድሕሪ ምእካሉ ዜግነት ናይታ ካብ ህጻንነቱ ዝዓበየላን ነዚ ሕጂ ረኺብዎ ዘሎ ህቡብነት ክውንን ዝበቕዓላን እስጳኛ ዝመረጸ ቲያጎ ኣብ ንእስነቱ ብዘርኣዮ ብሉጽ ምንቅስቓስ ኣባል ሕርይቲ ጋንታ መንእሰያት ትሕቲ 17 ዓመት እስጳኛ ብምዃን ኣብ ሻምፕዮና ሃገራት ኤውሮጳ ትሕቲ 17 ዓመት 2008 ንሃገሩ ዋንጫ ከግዝማ ክኢሉ’ዩ።ንሱ ኣብ 2001 ደጊሙ ነቲ ክብር’ቲ

ክጭብጦ ብምኽኣሉ ብኣጋኡ’ዩ ኣብ ቀረባ መጻኢ ተስፋ ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ እስጳኛ ምዃኑ ከመስክር ዝበቕዐ። ኣብቲ ናይ 2011 ናይ ፍጻመ ግጥም ድማ በታ ካብ 40 ሜትሮ ቀሊዑ ኣብ ልዳት ስዊዘርላንድ ዘመዝገባ ሸቶ ፍሉይ ኣድናቖት ረኺቡ ምንባሩ ይዝከር።ስጳኛዊ ቲያጎ ኣልካንትራ ብዘይካ’ዚ ኣብቲ

ዝሓለፈ ረቡዕ 18 ሰነ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት እስጳኛ ዝተዛዘመ ናይ 2013 ሻምፕዮና ኤውሮጳ ትሕቲ 21 ዓመት ናይ ፍጻመ ግጥም ኣብ ሰኪዔት ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ኢጣልያ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ‘ሃትሪክ’ ብምስርሑን ሃገሩ እስጳኛ ብዓብላሊ ጸወታን ውጽኢትን ንጋንታ ‘ኣዙሪ’ 4ብ2 ረቲዓ ንራብዓይ ግዜኣ ዘውዲ ክትደፍእ ብምግባሩን መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ’ዩ ቀንዩ ክበሃል ይከኣል።እዚ ዘርኣዮ ብሉጽ ብቕዓቱ ድማ

ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ዓቂቡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ብራዚል ሃገሩ ስጳኛ ናይ 2010 ክብራ ንምዕቃብ ኣብ እተካይዶ ሓያል ጥምጥም ዳግም ከመስክሮ ትጽቢት ኩሎም ስጳኛውያን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ደገፍታን ኮይኑ ይርከብ። እስጳኛዊ ቲያጎ ኣልካንታራ ዛጊት ካብ

2008 ንደሓር ኣብ 42 ኣህጉራዊ ግጥማት ንዝተፈላለያ ሃገራውያን ጋንታታት መንእሰያት እስጳኛ ተሰሊፉ 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ወርቃዊ ናይ ጸወታ ዘመን ዘሕልፈሉ ዘሎ መዋእል ኣብ ሰለስተ

ኣጋጣሚታት ማልያ ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ለቢሱ ናይ ምጽዋት ዕድል’ኳ እንተረኸበ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደን ብዓወት ስጳኛ ዝተዛዘመን ሻምፕዮና ኤውሮጳ 2012 ከምኡ’ውን ውድድር ኦሊምፒክ ለንደን 2012 ብምኽንያት መጉዳእቲ ካብታ ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ክበኩር ከምዝተገደደ ይፍለጥ።

ተወሳኺ ብዛዕባ ቲያጎ ኣሰር ናይቲ ኣብ ውድድር ዋንጫ 1994

ኣብ ጎኒ ሮማርዮ፡ ቤቤቶ፡ ዱንጋን ካፉን ተሰሊፉ ንሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ዋንጫ ዓለም ዘዕተረ ወላዲኡ ማዚንሆን ኣብ ጊዜኣ ህብብቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ መርበብ ዝነበረት ወላዲቱ ቫሌርያ ኣልካንታራ ብምስዓብ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ኩዕሶ እግሪ ህቡብነቱ ዘዕቢ ዘሎ ቲያጎ ካብ ስፖርታውያን ስድራቤት ምውላዱ ኣብቲ ሞያ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ኣመና ከምዝሓገዞ’ዩ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋታሚታት ዝገልጽ። እዛ ስድራ-ቤት ስፖርት ብዘይካ ቲያጎ ራፊንሃ ዝበሃል ውሉዳ እውን (ንቲያጎ ምንኣስ ሓዉ ምዃኑ’ዩ) ኣብ ካልኣይቲ ጋንታ ባርሴሎና (Barcelona B) ኣእትያ ምህላዋ ይፍለጥ።

ቲያጎ ካብ ዝዓተሮም ክብርታትምስ ክለብ ባርሴሎና፦- ተዓዋቲ ሻምፕዮንስ-ሊግ ኤውሮጳ ኣብ

2011- ተዓዋቲ ዋንጫ ክለባት ዓለም ኣብ

2011- ተዓዋቲ ዋንጫ ሱፐር-ካፕ ኤውሮጳ

(Uefa Supercup) ኣብ 2011- ኣርባዕተ ጊዜ ተዓዋቲ ላሊ-ጋ ስዓኛ ኣብ

2009, 2010, 2011 ከምኡ’ውን 2013- ተዓዋቲ ዋንጫ ንጉስ ( Copa del

Rey) ኣብ 2012- ተዓዋቲ ዋንጫ ሱፐር-ካፕ ስጳኛ ኣብ

2010 ከምኡ’ውን 2011

ምስ ሃገራዊት ጋንታ እስጳኛ- ተዓዋቲ ዋንጫ መንእሰያት ኤውሮጳ

ትሕቲ 21 ዓመት ኣብ 2011 ከማኡ’ውን 2013- ተዓዋቲ ዋንጫ መንእሰያት ኤውሮጳ

ትሕቲ 17 ዓመት ኣብ 2008።

ድራር ፍሰሃየ

Page 8: ሰንበት - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23062013.pdf · ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣ ስመራ 152817 \\\\\

ሓዳስ ኤርትራ 23 ሰነ 2013 - ገጽ 8