201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ...

12
መበል 22 ዓመት ቁ. 260 18 ግንቦት 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 11 ግጥማት ንዋንጫ ናጽነት ሎሚ ክዛዘም እዩ ገጽ 3 እቶም ሰለስተ ተጋደልቲ ዘውዓልዋ ትንፋስ ገጽ 5 ስለ ናጽነት፡ ኣብ ዕለተ ናጽነት ገጽ 8 በዓል ወጻኢ ²Ãö 3 ገጽ 4 “ኮኾብ” ዝፈጠረቶ ሌላ ቅነ ናጽነት..! 2013 ቀዳም “መኸተ ድርዕና - ስራሕ ክብርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝበዓል መበል 22 ዓመት ናጽነት ምስ ህዝቦም ብኣካል ንምጽንባል፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ይውሕዙ ኣለው። ብመሰረት ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ኣብ’ዚ ሳልስቲ’ዚ ጥራይ ብመገዲ ኣየር ኤርትራ 411፡ ብመገዲ ኣየር የመን 112፡ ብመገዲ ኣየር ግብጺ 62፡ ብመገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ድማ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዜጋታት ካብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ኣትዮም። እቶም ዜጋታት፡ ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ’ውን ይበዓል’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሃገርካ ምስ ህዝብኻ እትገብሮ ግና ፍሉይ መቐረት ከምዘለዎ ኣረዲኦም። “መኸተ ድርዕና - ስራሕ ክብርና” ጽንብል ናጽነት ኣብ ሃገሮም ንምብዓል ናይ ዝኣትዉ ዘለዉ ዜጋታት ዋሕዚ ይቕጽል ኣሎ ካብ ፍራንክፈርት - ጀርመን ዝመጸት ወይዘሮ ሳራ ብርሃነን ካብ ሚነሶታ - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጸት ወይዘሮ ሙና ዑመርን ንኤሪና ኣብ ዝሃብኦ ሓበሬታ፡ ነዚ ክቡር በዓል ብኣካል ንምስትምቓር ዕድል ምርካበን ከምዘሐብነን ጠቒሰን፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ንመኸተን ልምዓትን ኣብ ጎኒ ህዝበንን መንግስተንን ከምዘለዋ፣ ጽንብል ናጽነት ኣብ ሃገረን ንምጽንባል ዝወሰድኦ ስጕምቲ ድማ ነዚ ዘነጽር ከምዝኾነ ኣረጋጊጸን። “ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ፡ ሃሙን ቀልቡን ምስ ሃገሩን ንሃገሩን’ዩ” ዝበሉ - ካብ ከተማታት ቴክሳስን ቦስተንን - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ኣቶ ሃይሉ ቀለታን ወይዘሮ ቅዱሳን ተወልደን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ - ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ንዝተፈላለየ ተጻብኦታት ሰጊሩ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ምብጽሑ ንሓያል ናይ መኸተ ወኑ ዘነጽር ከምዝኾነ ብምምልካት፡ “ኣብቲ ጸልማት እዋን ቅያ ዝሰርሐ ህዝቢ፡ ኣብዚ በርሃው ዝበለ መድረኽ ተኣምር ከምዝሰርሕ፡ ባይታ ዝምስክሮ ዘሎ ሓቂ’ዩ” ክብሉ ገሊጾም። ነበርቲ ከተማ ከረን፡ ጽንብል መበል 22 ዓመት ናጽነት ንምምዕራግ ከካይድዎ ዝጸንሑ ሰፊሕ ምድላዋት ኣብ ደረጃ ምዝዛም ከምዝበጽሐ፡ አቦ-መንበር ኮሚተ በዓላት’ታ ከተማ ኣቶ ወልደገርግሽ ጭንዕ ሓቢሩ። አቶ ወልደገርግሽ ኣብ ሓበሬታኡ፡ እቲ ምድላዋት - ስፖርታዊ ውድድራት፡ ባህላዊ ንጥፈታት፡ ጽሬት ከባቢ፡ ምውቃብን ምስላምን ንግዳዊ ትካላትን ጐደናታትን ከምዘጠቓልል ብምጥቃስ፡ ዕለት 21 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ- ቐትሪ ናይ ህዝቢን ሰራሕተኛታትን ሰልፊ፣ ከምኡ’ውን አስታት 31 ትካላት ዝሳተፍኦ ንምስሊ መግዛእቲ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ንዝሰላሰለ ልምዓታዊ ነበርቲ ከረን ምድላዋቶም ንጽንብል ናጽነት ኣጻፊፎም መደባትን ዘንጸባርቕ ምርኢትን ፍርያትን ክቐርብ ምዃኑ ኣብሪሁ። ብዘይካ’ዚ፡ ካብ 21 ክሳብ 24 ግንቦት፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ በብመዓልቶም ዳሳት ተኺሎም ኮማዊ ጽንብላት ከካይዱ ምዃኖም፡ እቲ ዝረኸበናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ። አቦ-መንበር ኮሚተ በዓል ናጽነት ከተማ ከረን ኣቶ ወልደገርግሽ ጭንዕ አብ መወዳእታ፡ ጐደናታት ከተማ ከረን ብቕንያቱ ብዝተፈላለየ ሕብራዊ መብራህቲ፡ ባንዴራ፡ ጭርሖታትን ባህላዊ ምርኢትን ንምምዕራጉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስርሓት፡ ህዝብን ወነንቲ ትካላትን ንዘርእይዎ ዘለዉ ልዑል ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

Upload: others

Post on 24-Jan-2021

1 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

መበል 22 ዓመት ቁ. 260 18 ግንቦት 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 11ግጥማት ንዋንጫ

ናጽነት ሎሚ ክዛዘም እዩ

ገጽ 3እቶም ሰለስተ

ተጋደልቲ ዘውዓልዋ ትንፋስ

ገጽ 5

ስለ ናጽነት፡ ኣብ ዕለተ ናጽነት

ገጽ 8በዓል ወጻኢ

²Ãö 3ገጽ 4

“ኮኾብ” ዝፈጠረቶ ሌላ ቅነ ናጽነት..!

2013

ቀዳም

“መኸተ ድርዕና - ስራሕ ክብርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝበዓል መበል 22 ዓመት ናጽነት ምስ ህዝቦም ብኣካል ንምጽንባል፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ይውሕዙ ኣለው።

ብመሰረት ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ኣብ’ዚ ሳልስቲ’ዚ ጥራይ ብመገዲ ኣየር ኤርትራ 411፡ ብመገዲ ኣየር የመን 112፡ ብመገዲ ኣየር ግብጺ 62፡ ብመገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ድማ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዜጋታት ካብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ኣትዮም። እቶም ዜጋታት፡ ጽንብል ናጽነት

ኤርትራ ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ’ውን ይበዓል’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሃገርካ ምስ ህዝብኻ እትገብሮ ግና ፍሉይ መቐረት ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

“መኸተ ድርዕና - ስራሕ ክብርና”

ጽንብል ናጽነት ኣብ ሃገሮም ንምብዓል ናይ ዝኣትዉ ዘለዉ ዜጋታት ዋሕዚ ይቕጽል ኣሎ

ካብ ፍራንክፈርት - ጀርመን ዝመጸት ወይዘሮ ሳራ ብርሃነን ካብ ሚነሶታ -

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጸት ወይዘሮ ሙና ዑመርን ንኤሪና ኣብ

ዝሃብኦ ሓበሬታ፡ ነዚ ክቡር በዓል ብኣካል ንምስትምቓር ዕድል ምርካበን

ከምዘሐብነን ጠቒሰን፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ንመኸተን ልምዓትን ኣብ ጎኒ ህዝበንን መንግስተንን ከምዘለዋ፣ ጽንብል ናጽነት ኣብ ሃገረን ንምጽንባል ዝወሰድኦ ስጕምቲ ድማ ነዚ ዘነጽር ከምዝኾነ ኣረጋጊጸን።

“ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ፡ ሃሙን ቀልቡን ምስ ሃገሩን ንሃገሩን’ዩ” ዝበሉ - ካብ ከተማታት ቴክሳስን ቦስተንን - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ኣቶ ሃይሉ ቀለታን ወይዘሮ ቅዱሳን ተወልደን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ - ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ንዝተፈላለየ ተጻብኦታት ሰጊሩ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ምብጽሑ ንሓያል ናይ መኸተ ወኑ ዘነጽር ከምዝኾነ ብምምልካት፡ “ኣብቲ ጸልማት እዋን ቅያ ዝሰርሐ ህዝቢ፡ ኣብዚ በርሃው ዝበለ መድረኽ ተኣምር ከምዝሰርሕ፡ ባይታ ዝምስክሮ ዘሎ ሓቂ’ዩ” ክብሉ ገሊጾም።

ነበርቲ ከተማ ከረን፡ ጽንብል መበል 22 ዓመት ናጽነት ንምምዕራግ ከካይድዎ ዝጸንሑ ሰፊሕ ምድላዋት ኣብ ደረጃ ምዝዛም ከምዝበጽሐ፡ አቦ-መንበር ኮሚተ በዓላት’ታ ከተማ ኣቶ ወልደገርግሽ ጭንዕ ሓቢሩ።

አቶ ወልደገርግሽ ኣብ ሓበሬታኡ፡ እቲ ምድላዋት - ስፖርታዊ ውድድራት፡ ባህላዊ ንጥፈታት፡ ጽሬት ከባቢ፡ ምውቃብን ምስላምን ንግዳዊ ትካላትን ጐደናታትን ከምዘጠቓልል ብምጥቃስ፡ ዕለት 21 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናይ ህዝቢን ሰራሕተኛታትን ሰልፊ፣ ከምኡ’ውን አስታት 31 ትካላት ዝሳተፍኦ ንምስሊ መግዛእቲ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ንዝሰላሰለ ልምዓታዊ

ነበርቲ ከረን ምድላዋቶም ንጽንብል ናጽነት ኣጻፊፎምመደባትን ዘንጸባርቕ ምርኢትን ፍርያትን ክቐርብ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ካብ 21 ክሳብ 24 ግንቦት፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ በብመዓልቶም ዳሳት ተኺሎም ኮማዊ ጽንብላት ከካይዱ ምዃኖም፡ እቲ ዝረኸበናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

አቦ-መንበር ኮሚተ በዓል ናጽነት ከተማ ከረን ኣቶ ወልደገርግሽ ጭንዕ አብ መወዳእታ፡ ጐደናታት ከተማ ከረን ብቕንያቱ ብዝተፈላለየ ሕብራዊ መብራህቲ፡ ባንዴራ፡ ጭርሖታትን ባህላዊ ምርኢትን ንምምዕራጉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስርሓት፡ ህዝብን ወነንቲ ትካላትን ንዘርእይዎ ዘለዉ ልዑል

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

Page 2: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2214)

ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394 - 08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ኤደን ሃብትኣብነብያት ጸጋይ

ኤደን ገብረመድህንሰላማዊት ክብረኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ተሳታፍነት መጒሱ።ኣብ በዓል ናጽነት ካብ ዝሳተፉ

ዘለው አባል ጉጅለ ባህሊ ሚኒስትሪ

ነበርቲ ከረን ምድላዋቶም . . .ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ሰላም ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መደባት ናጽነት። ርሑስ ቅነ በዓል ናጽነት ንምነ። “መኸተ ድርዕና - ስራሕ ክብርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ15 ግንቦት ዝጀመረ ወግዓዊ ጽምብል መበል 22 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ይጽንበል ኣሎ።ብዘይካ’ቲ ኣብ ጐደናታት ብወንን ሓያል መንፈስን ህዝቢ እናመዓረገ

ዝቕጽል ዘሎ ምርኢት ጐደናታት “one man band”፡ ፍሉይ ፈጠራን ካረዩኪ ናይ ሎሚ 18 ግንቦት ምሸት ፍልይ ዝበለ ምድላዋት ብዝለዓለ ናህሪ ክቕጽል’ዩ። ኣብዚ ኣብ ዝተወደበሉ ሰዓት ዝፍልም ትሕዝቶ ድምጻውያን ዓብዱ እስማዒል፡ መርሃዊ ተወልደመድህን፡ ኤደን ከሰተ፡ ሙስጠፋ መሓመድ፡ ኢንትሳርን ያስሚንን፡ ቃልኣብ ተወልደመድህን፡ ሳሙኤል ተክኤ፡ ስዒድ ብርሃኑ ብብሉጽን ውሕሉልን ኣቀራርባ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ መልእኽትን ትርጉምን ዝሓዘ ዜማታት ብቛንቋታት ሳሆ፡ ትግርኛ፡ ናራ፡ ሕዳርብ፡ ትግረ፡ ዓረብ ሒዞም ክቐርቡ እዮም። ዝተፈላለየ ድራማታት ብቛንቋታት ሳሆ፡ ናራን ትግርኛን ንምቕራብ ደረስትን ዳይረክተራትን ተዋሳእትን ስርሖም ዛዚሞም ከዘናግዕኹም ኣብ ቆጸራኦም፡ ኣብ ቦታኦም ክርከቡ እዮም። ኮመድያዊት ድራማ ሱዚኒኖ ስለዘላ’ውን ምሉእ ትሕዝቶኣ ካብ መድረኽ ባሕቲ መስከረም ክትከታተሉ ንዕድም።ን18 ግንቦት ምሸት ፍልይቲ ዝገብራ፡ ካብ ፈረንሳ ዝመጸት ብኤልሞቶ

እትምራሕን ኣብ ፈረንሳ ናይ 2012 ተዓዋቲት ዝኾነትን ጉጅለ ስነ-ጥበብ፡ ኣብ ሲቲፓርክ ምድላዋታ ከተቕርብ መደብ ተሰሪዑላ ምህላዉ’ዩ። እዛ ጉጅለ ስነ-ጥበበኛታት፡ ካብ 500 ኣፍሪቃውያን፡ ህንድን ፓስፊክን ምስ ዝመጻ ጉጅለታት ተወዳዲራ ዝተዓወተት ኰይና፡ ኣብ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ምግባር ትርከብ። እዛ ጉጅለ ስነ-ጥበበኛታት ኣቐድም ኣቢላ ኣብ ህንዲ፡ ማለዥያን ኔፓልን ተመሳሳሊ ዑደት ከምዘካየደት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረጋግጽ። እዛ ካብ 6 ብዘይበዝሑ ስነ-ጥበበኛታት ዝተወደበት ጉጅለ፡ ከም ኤርሚለንዳ ታቶረ፡ ሳምባቶላ፡ ፓሊና፡ ሉብሊና፡ ማንዳቤንዝ ዝኣመሰሉ ውሩያት ስነ-ጥበበኛታት ዝሓቖፈት’ያ።ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ፡ መበል 22 ዓመት በዓል ናጽነት ነዚን ካልእን

ትሕዝቶ ንምክትታል ልክዕ ሰዓት 6፡00 ድ.ቀ. በቦታኹም ንምሓዝ ቆጸራኹም ኣብ ባሕቲ መስከረም ይኹን።

ርሑስ በዓል ናጽነት!! ኣ/ሽማግለ በዓላት

ሓበሬታ ናጽነት

ትምህርቲ መንእሰይ ቶማስ ይበቲት፡ እቲ ዝቐርብ ምርኢት - ናጽነት ንምምጻእ ንዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ፡ ከምኡ’ውን ሃገር ንምልማዕ ንዝካየድ

ዘሎ ጻዕሪ ዘጕልሕ ምዃኑ ገሊጹ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ

ጊንዳዕ’ውን ሰፊሕ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተወልደ ተስፋዝጊ ሓቢሩ። “መዓልቲ ናጽነት፡ ኣብ ህንጸት

ሃገርን ምውሓስ ልኡላውነትን ረዚን ሓላፍነት ዘሰክም’ዩ” ዝበለ ኣቶ ተወልደ፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት ንምድማቕ ኩለን ምምሕዳር ከባቢን ትካላትን ኣብ ምድላዋት ተጸሚደን ምህላወን ኣረዲኡ።ካብ ነበርቲ ኣቶ ሳልም ሽረፋይን ኣቶ

መሓመድ ጅምዕ ሹምን ብግደኦም፡ ትርጉምን ታሪኽን ናጽነት ናብ ሓድሽ ወለዶ ምስግጋር ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ንጽንብል መበል 22 ዓመት ናጽነት ልዑል ምድላዋት ገይሮም ከምዘለዉ ገሊጾም። ኣብ ከተማ ደቀምሓረ’ውን

ተመሳሳሊ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።ነቲ ምጽንባል ንምምዕራግ፡ ባህላዊ፡

ስፖርታውን ካልእን ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎ፣ እታ ከተማ ድሮ ተሸሊማ ከምዘላን ኣብ ሓሙሽተ ምምሕዳራት ከባቢ ኮማዊ ዳሳት ይትከል ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ምምሕዳራት ከባቢ ዞባ ማእከል ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ንዘቕርብኦ ምርኢት ካርኒቫል ክገብርኦ ዝጸንሓ ብጥበብን ምህዞን ዝተሰነየ ሰፊሕ ምድላዋት ኣብ ደረጃ ምጽፋፍ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።ኣብ ምድላው ናይ’ቲ ካርኒቫል

ተጸሚዶም ካብ ዝቐነዩ ኣባላት’ተን ምምሕዳራት ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ታሪኽ ምዕቃብን ናብ ወለዶታት ምስግጋርን ብዝተፈላለየ መንገድታት ከምዝግበር፣ ምርኢት ካርኒቫል ድማ ሓደ ካብኡ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ካብቲ ተጻሒፉ ዘይውዳእ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ንምንጽብራቕ ይጽዕቱ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ዞባ ማእከል፡ ካርኒቫል ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ በጺሑ

ካብ ምምሕዳር ከባቢ ሰምበል ኣቶ ተወልደ የማነ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ምርኢት ካርኒቫል ብቐንዱ ንሕሉፍ ታሪኽን ዝጽበየና ሓላፍነትን ዘጕልሕ ስለዝኾነ፡ ነበርቲ ብልዑል ወኒ ከምዝዳለዉሉን ንጽባቐኡ ብውህደት ከምዝሰርሑን ገሊጹ።“ናጽነት ንምምጻእ ንዝተኸፍለ ከቢድ

ዋጋ ዝዳረግ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብዘለና ዓቕሚ ተነባብን ገላጽን ትሕዝቶ ንምቕራብ’ዩ ዕላማና” ዝበለ ካብ ምምሕዳር ከባቢ ገጀረት ኣቶ ፋኑስ ሃይለ ድማ፡ ዓመት መጸ ሓድሽ ሓሳባት ብምፍሳስ - ኣብ መንጎ ምምሕዳራት ቅዱስ ቅንእን ናይ ተወዳዳርነት መንፈስን እናሰረጸ ምኻዱ፡ ንረዚን ክብሪ ናጽነት ዝገልጽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ፍቕሪ፡ ሓድነት፡ ምክብባርን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ምርኢት ክጐልሕ ከምዝርአ ኣረዲኡ።ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘይነጽፍ ባሕሪ

ከምዝኾነ ዝገለጹ ካብ ምምሕዳር ከባቢ ኣኽርያ ስነ-ጥበባውያን ሴም ኤፍሬምን ጎይትኦም ገረዝግሄርን ከኣ፡ ነታ ብኽቡር ዋጋ ዝመጸትን ዝተዓቀበትን ናጽነት ብሞያኦም ንምንጽብራቕን ናብ ወረስቲ ንምስግጋርን ኣብ ዝባኖም ዘሎ ሓላፍነት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ጉልበቶምን ፍልጠቶምን ከይበቐቑ ረዚን ትርጉም ናጽነት ብጥበብ ንምንጽብራቕ ዓቕሞም የበርክቱ ከምዘለዉ ኣብሪሆም።እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ውዳበ ጨንፈር

ሰራሕተኛታት መንእሰያት ዞባ ማእከል ንድምቀት ጽንብል 22 ዓመት ናጽነት ከካይዶ ዝጸንሐ መሰናድኦታት ብ16 ግንቦት ዛዚሙ።ኣብ’ቲ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዝተወደበ ሓይሊ ተኣምር ስለዝሰርሕ፡ ውዳበ ጨንፈር ሰራሕተኛታት መንእሰያት ዞባ ማእከል ንጥፈታቱ ከሐይል ተላብዩ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን፡ “መኸተ ድርዕና - ስራሕ ክብርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንዝበዓል መበል 22 ዓመት ናጽነት ብድምቀት ንምጽንባል ከካይድዎ ዝጸንሑ ሰፊሕ ምድላዋት ከምእተጻፈፈ፡ ኣቦ-መንበር ሽማግለ በዓላት ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ኣቶ ያሲን ዑመር ሓቢሩ።ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ያሲን፡ እቲ

ምድላዋት - ባህላውን ስፖርታውን መደባት፡ ውድድር ስነ-ጽሑፍን ንህጻናት ብፍሉይ ዝተገብረ መሰናድኦታትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ብምውህሃድ ኩለን ማሕበረ-ኮማት፡ ጨናፍር ማሕበራት ደቂኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ህግደፍ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።ኣቶ ያሲን ኣስዒቡ፡ እቲ ንጽንብል

ናጽነት ዝግበር ዘሎ ምድላዋት፡ ታሪኽ መኸተን ሃገራውነትን ናብ

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያ፡ በዓል ናጽነት

ንምጽንባል ምድላዋቶም የጻፍፉመንእሰይ ወለዶ ንምምሕልላፍ ብዘኽእል ኣገባብ ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ወለዲ ምስ ደቆም ክሳተፉ ተላብዩ።ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል ናጽነት

ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን፡ ካብ 18 ክሳብ 25 ግንቦት ብቐደም-ተኸተል ኣብ ከተማታት ፐርዝ፡ ኣደላይድ፡ ብሪዝቤን፡ ሲድኒ፡ ኦክላንድን ወሊንግተንን ክካየድ ምዃኑ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ መልበርን ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ

ከተማታት ፐርዝ፡ ሲድኒ፡ ኣደላይድን ብሪዝቤንን ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባታት ህዝባዊ መኸተ፡ ሓድነቶምን መኸተኦምን ብምሕያል ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ መደባት ተሳትፎኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

Page 3: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 3

ገብሩ ክብረኣብ

እቶም ሰለስተ ተጋደልቲ ዘውዓልዋ ትንፋስእቶም ሰለስተ ተጋደልቲ ብሓጐስ

ተፈንጪሖም’ዮም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ነይሮም። ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ዘካየዶ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ጸላኢኡ ደምሲሱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ናጻ

ካብ ዝኸውን ሰዓታት ጥራይ’ዩ ቈጺሩ ዝነበረ። እቶም ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ከባቢ ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 2 ብህድኣት ጉጅም እናበሉ ዝዛወሩ ዝነበሩ ሰለስተ ተጋደልቲ (ክልተ ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ) ተፊሲሆም ነቲ ሰላምን ናጽነትን ሓዚሉ ዝሸብብ ዝነበረ ንፋስ እናስተማቐሩ ብሓበን የዳምጹ ነበሩ። ወግዖም ግና ብጨርቂ ዝተጠቕለለ ባኮ ኣብ ቅድመኦም ወዲቑ ክሳብ ዝርእዩ ጥራይ ቀጸለ። እቲ ባኮ ይንቀሳቐስ ብምንባሩ ድማ’ዩ ንተገዳስነቶምን ምግራሞምን ሰማይ ዘዕረጎ።እቶም ተጋደልቲ ‘ገለ እንስሳ ኣብ

ውሽጡ ግዲ ኣልዩ!’ እናተበሃሃሉ ናብቲ ባኮ ቀረቡ። ነቲ ኣጭርቕቲ ቀንጢጦም ብዝረኣዩ ድማ ሽድሽተ ወርሒ ዘይመለአ ናጽላ ውርሕርሕ ክብል ረኸብዎ። እቲ እዋን ረፍዲ፡ ዕለቱ ድማ 25 ግንቦት 1991 ነበረ። ኣብ ጽባሕ ዕለተ ናጽነት ወዳ ዝደርበየት ኣደ “ከመይ ዝበለት ኮን’ያ!” ዝብል ሕቶ ኣብ መንጐኦም ኣልዒሎም ተላዘቡ። እቲ ህጻን ብቐዝሒ ተበሊዑ ክበኪ’ውን ሓይሊ ስኢኑ’ዩ ጸኒሕዎም። ህይወቱ ከውሕሱ ናብ መዕቆቢ ቦታ ክጎዩ’ኳ እንተነበሮም፡ ንፈለማ ፖሊስ ክሕብሩ ከምዝነበሮም ምስ ተዘራረቡ ግና ናብ መደበር ፖሊስ ከተማ ደቀምሓረ ወሰድዎ። እቶም ሰለስተ ተጋደልቲ ምስ ፖሊስ ድሕሪ ዝገበሩዎ ምርድዳእ ኸኣ ነቲ ናጽላ ሒዞም ሔቦ ናብ ዝበሃል ቦታ ኣበሉ - ድሕሪ ገለ መዓልትታት። ሔቦ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ኣስታት 35 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ገዳም’ያ። ገዳም

ሔቦ ዘኽታማት ወይ ካብ ጽጉማት ስድራ ዝተወልዱ ህጻናት ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ ዝኣኽሉ ዝናቢ ገዳም ብምንባሩ’ዮም ድማ ናብኡ ዝኸዱ። እቶም ተጋደልቲ ተራኦም ፈጺሞም ናብ ከተማ ደቀምሓረ ተመልሱ። እቲ ህጻን ድማ ኣብ ሔቦ ተረፈ። ***እተን ዘዝመጽወን ቈልዑ ዝናብያ

ደናግል ሔቦ ነቲ ርካብ ህጻን ያቆብ ክብላ ሰመያኦ። ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ ዝመልእ ኸኣ ኣብ ሔቦ ጸንሐ። ድሕሪ’ዚ እዋን ዕጫ ያቆብ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣተወ። “ናተይ’ዩ” ዝብሎ ሰብ ክረኽብ ነይርዎ - ገዳም ሔቦ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ስለዘየዕቁብ። ያቆብ ግን “ናተይ’ዩ” ዝብሎ ወላዲ ወይ’ውን ቤተ-ዘመድ ኣይረኸበን። ኣብ 1995 ብመንገዲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ንኹነታት ናይቲ ህጻን ዝገልጽ ጽሑፍ ምስተሓትመ ቤት ጽሕፈት ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ተረከቦ። ኣብ ኣስመራ ዝነበረት ትካል መናበዪ ዘኽታማት ጂ.ኤም.ኤ ድማ ካብቲ ዕዮ ተቐበለቶ። ያቆብ ኣብቲ መናበዪ ዘኽታማት

ክልተ ዓመታት ምስ ኣሕለፈ ክመሃር ከምዘለዎ ተነግሮ። ንኽመሃር ኸኣ ምስ ካልእ ስድራ እናተቐመጠ ክነብር ነበሮ። በዚ ዝኣክል ውላድ ዘይነበሮም ስድራ ሰለሙን ሓጐስን ወይዘሮ ትርሓስ ኣብርሃን ተቐበልዎ። ኣቶ ሰለሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ መዋእለ-ህጻናት ከእትዎ እንከሎ ግን፡ ክንዲ “ያቆብ” - “ቃልኣብ” ክብል ኣመዝገቦ። ንሽድሽተ ዓመት መመላእታ ዝተጸወዓላ “ያቆብ” ኸኣ ብቓልኣብ ተተኪኣ።ንመማህርቱ ብዕድመ ይመርሖም

ብምንባሩ ኣብ መዋእለ-ህጻናት ሽድሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ተማህረ። ቀዳማይ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፍረሰላም ክጅምር ከሎ እምበኣር ወዲ ሽድሽተ ዓመትን ሽድሽተ ኣዋርሕን ነበረ። ቃልኣብ ነዚ ብምዝካር፡ “’ኣቦይ ሰለሙን፡ ኣደይ ከኣ ትርሓስ’ዮም’ዮም’ ኢለ ንነብሰይ ኣእመንኩዋ። ሰለሙን ጽልሚ ገጹን ደርጊ ስኑን ንዓይ ስለዘምስሎ ከኣ እትኣማመን ነበርኩ። ኩሉ ሳዕ እናዛወረ ብዙሕ የሐጉሰኒን የዘናግዓንን ብምንባሩ ድማ ኣዝያ’የ ዝፈትዎ ነይረ - ዘይኣቦኻ ዶ ክንዲ’ዚ ጽቡቕ ይገብረልካ’ዩ!” ክብል ይግረም ቃልኣብ ኣብ ዝኽሪ ጥሒሉ።እኒ ቃልኣብ ኣብ ትርፊ ግዜኦም

ኣብ ማእከል ፓቮኒ እናኸዱ

ይጻወቱን ይዘናግዑን ነበሩ። መብዛሕቶም እቶም ኣብኡ ዝእከቡ ቈልዑ ዘኽታማት ብምንባሮም‘ውን ንሓድሕዶም ይደጋገፉ ነበሩ። ቃልኣብ ብዛዕባ’ዚ፦ “ናይ ምዝንጋዕ መደባት ተዳልዩልና ናብ ማእከል ፓቮኒ ንኸይድ ነበርና። ኣብኡ ‘እዚ’ኳ ኣደ የብሉን፣ ንዓይ ከኣ ‘እቲ ኸኣ ኣቦን ኣደን የብሉን!’ ኢሎም ብዛዕባይ ከዕልሉ እሰምዕ ነበርኩ። ኣነ ግን እተኣማመን ነበርኩ። ወይልኹም ደኣ ንስኻትኩም’ምበር ኣነስ ልዕሊ ኹሉ ዝፈትዉኒ ኣቦን ኣደን ኣለዉኒ እናበልኩ ድማ’የ ንገዛይ ዝምለስ ነይረ።” ብሕንቃቐ ምስ እንዳ ሰለሙን

ዝዓቢ ዝነበረ ቃልኣብ ሓምሻይ ክፍሊ ኣብ ዝነበረሉ ዕለት’ዩ። ሰዓት 3.00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ። መምህር ከዲጃ’ያ ዓውደ-ትምህርቲ ዓረብ ትምህር ዝነበረት። ኣብ ትምህርቱ

ንጡፍ ዝነበረ ቃልኣብ ሽዑ እዋን ብኣካል ጥራይ’ዩ ኣብ ክፍሊ ዝነበረ። መምህር ከዲጃ ድማ ኣስተብሃለትሉ። ንደገ ሒዛቶ ድማ ወጽአት’ሞ እንታይ ከምዝኾነ ጠየቐቶ። “ኣቦይ ተወጺዑ ኣብ ገዛ

ስለዝገድፍኩዎ’የ’ ምስ በላ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምስኣ ሒዛቶ ወዓለት’ሞ እዋን ፍዳሰ ናብ ገዝኡ ኣሰነየቶ። ምናልባት ንቃልኣብ ክትነግሮ ስልኪ ተደዊሉላ’ዩ ዝኸውን። ቃልኣብ ኣብ ገዛኦም ሓዘን ምስ ጸንሖም ኣብ

ኢድ መምህሩ ፈዘዘ። ነብሱ ክነግሮ ከምዝወዓለ ድማ ብትካዘ ዘከሮ። ሓዘን ኣቶ ሰለሙን ሽድሽተ

መዓልታት ምስ ኣሕለፈ፡ ናብ’ታ ንቓልኣብ ከም ኣደኡ ሓብሒባን ኣሐንቂቓን ዘዕበየቶ ወይዘሮ ትርሓስ ተለፎን ተደወለ። ዮናስ’ዩ ንወይዘሮ ትርሓስ፡ ‘ንቓልኣብ ናባይ ስደድዮ’ ክብል ዝደወለላ። ዮናስ ሰራሕተኛ ናይቲ ጂ ኤም ኤ ዝተባህለ ኣብ ምዕባይ ህጻናት ዝነጥፍ ትካል ነበረ።ቃልኣብ ናብ ቤትጽሕፈት

ዮናስ ክኸይድ እንከሎ፡ ብሓሳባት ኣእምሮኡ ‘ኣቦይ ሞይቱ ኢልካ ኣይትጉሀ፡ ባዕልና ኣለናልካ፡ ካብ ምባል ሓሊፉ’ሞ እንታይ’ዩ ኽብለኒ’ ይብል ነበረ። ቃልኣብ ናብቲ ቤትጽሕፈት ክኣቱ ኸሎ፡ ዮናስ ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ጸንሖ። “ቃልኣብ ደሓን ዲኺ ጥዕናኻ?”

ቃልኣብ ኣብ ቅድመኡ ኮፍ ምስ በለ።“ደሓን’የ”“ትምህርቲ ኸ ትነፍዕ ዶ

ኣለኻ?”

“እወ ደሓን’የ” ክብል ሓጺር ምስመለሰሉ። “ንምንታይ ከምዝጸዋዕካኒ ግን

ኣይፈለጥኩን” ሓተቶ ህውኽ ኢሉ።ዮናስ ካብ’ቲ ዝነበሮ ተላዒሉ ኣብ

ከብሒ ካብ ዝተቐመጠ ፋይላት ገናጸለ። ሓንቲ ፋይል ቀርቂሩ ድማ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ኮፍ በለ። “ስምዓኒ ቃልኣብ ብዛዕባ መንነትካ’የ ክገልጸልካ ደልየ። ንስኻ ህጻን ሽድሽተ ወርሒ ከለኻ ኣብ ደቀምሓረ ተደርቢኻ ዝተረኸብካ

ኢኻ። ተጋደልቲ’ዮም ረኺቦምኻ። ብዛዕባ ኣቦኻ ይኹን ኣደኻ ኸኣ ንፈልጦ የብልናን” ቃልኣብ እተን ብልሳን ዮናስ ዝተደምጻ ቃላት ሕልሚ ክኾናሉ ተመነየ። ንገለ ደቓይቕ ዝን ድሕሪ ምባል ድማ፡

“ፍጹም ክእመን ዘይክእል ነገር’ዩ። ሰለሙን ደኣ እንታየይ እዩ - ከመይ ኢልካ ኣቦ የብካን ትብለኒ!?” ሕርቃንን ሕንቕንቕን ሓዊሱ።“ዘዕበየካ እምበር ኣቦኻ ኣይኰነን”

ኣቕበጾ። ***እዋን ሓሊፉ ቃልኣብ ኣቶ

ሰለሙንን ወይዘሮ ትብለጽን ዘዕበዩዎ እምበር ኣቦኡን ኣደኡን ከምዘይኰኑ በርሃሉ። ምስ ግዜ ካብቲ ትካል ዝረኽቦ ዝነበረ ሓገዝ ደው ስለዝበለ ድማ መናበዪ ሰኣነ። ክነብር ስለዘለዎ ግና ቀንጠ መንጢ ክሸቓቕጥ ፈታተነ።“ኩሉ ነገር ከም ኣፍ ዑንቊ ምስ

ጸበበኒ ነብሰይ ክኸእል’የ ሓሊነ። ምሉእ መዓልቲ ክሽቕጥ ውዒለ ኣብ ዝሰለጠኒ እናሓደርኩ ሓድሽ ህይወት ጀሚረ። ከምዚ ኢለ ኸኣ በቲ እናተማሃርኩ በቲ እናሰራሕኩ - 11 ክፍሊ ወዲአ ንሳዋ ክሳብ ዝወርድ። ካብ ሳዋ ምስተመለስኩ’ውን ነቲ ናይ ሸቐጥ ስርሐይ ተመለስኩዎ።”ቃልኣብ ከምዚ ኢሉ ህይወት

እናቓነየ ኣብ ደገ ኮለል ክብል ዘስተውዓለት ወይዘሪት ሰላማዊት ዝተባህለት ዜጋ ኩነታቱ ተወከሰቶ’ሞ ዛንታኡ ብዝሰመዐት ተደናገጸት። ኣብታ ትውንና ድኳን ክተሓጋገዛ ኸኣ ሓበረቶ። ንኣቶ ገብረገርግሽ መሓሪ’ውን ዛንታ ቃልኣብ በጽሖ። ኣብ ቤት መግቢ ካስቴሎ’ውን ሽቕለት ረኸበሉ። ኣቶ ገብረገርግሽ በዓል ቤታ ንወይዘሮ ሰላማዊት’ዩ። በዚ ዝኣክል ቃልኣብ ብምትሕብባር ስድራ ኣቶ ገብረገርግሽ ኣብ ቤት መግቢ ካስቴሎ ከም ከሻኒ መግቢ ኰይኑ እናዓየየ ናብራኡ ኣብ ምምራሕ ይርከብ። እቲ “መን’ያ ኣደይ!? መን’ዩ ኸ ኣቦይ!? ክሳብ መዓስ እየ ኸ ከምዚ ኢለ!?” ዝብል ሕቶ ግና ዘይተመለሰ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑዎ ኣሎ።

ኣቶ ሰለሙን

ቃልኣብ

Page 4: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 4

ሱራፌል ተ/ብሩኽ

ዓሚን ሎሚ ዓመትን ካብ ስራሕ ኣዕሪፈ ቅንያት ናጽነት ዘስተማቕረን ዘለኹ ዓመታት’የን፣ ዓሚ ብኣዕሩኸይ ማሚቐ ምቍር ቅነ’የ ኣሕሊፈ፣ ኣስመራ ከም ቀደማ መርዓት ክትምስል ቬሎ ተኸዲና። ተዃሓሒላ። ጸቢቓ። ብደቃ ተኸቢባ ነይራ፣ ጐደና ሓርነት ከምዘን መዓልታት ገይራ ተሓጕሳትለን ትፈልጥ መዓልታት የብላን፣ እዘን ዓሰርተ ዝዀና ምሸታት ኣነን ኣዕሩኸይን ብዘይ ዕረፍቲ ኢና ጐደና ሓርነት ኣማሲና፣ ኣስመራና ንኵላትና ደቃ ኣብ ሓደ ዓንኬል ጠሚራ ከተኹደድና ቀንያ፣ ጐደና ሓርነት ኣብ ኵሎም ዝተደርፉላ። ዝተግጥሙላ። ዝተጻሕፉላ ዛንታትን ድራማታትን ርእየያ’የ፣ ኣብዛ ጐደና ሰላም። ታሪኽ። መስዋእቲ። ሓሳባት። ዶብ ዘይብሉ ፈጠራ። ንቕሓት። ምሕጽንታ። ተበግሶ። ሓላፍነትን መልክዑ ዝቀያየር ዘይውዳእ ቃልሲ ሓርነትን ከም ዘሎ እናሻዕ ነጊሮም፣ ብህይወት ዘሎ ወለዶታት ኣብኣ ተኣኪቡ ክስዕስዕ። ክዘናጋዕ ንፋስ ናጽነት ከስተማቕር እንከሎ። ከምታ ኵሎም ደቃን ደቂ-ደቃን ምስኣ ዓጕጐም ብፍቕሪ ዘዋግዑዋ። ዕድለኛ በዓልቲ ጸጋ ኣደ ዓባይና ኰይና ትስመዓኒ፣ “ከማይ ዘይረኸቡ ፍቕሪ ዘይሰለጦምዓንጋሊት ራራይት ከማኺ

ይፍጠረሎምከማኺ ዝረኸበ እንታይ ከይጐድሎዝመጸ እንተ መጽአ ንህይወት

ይኽእሎ!!” ኣብርሃም ኣፈወርቂድሮ 24 ግንቦት ከም ቀደምና

ብእዋኑ ከም ወተሃደር ሰዓት 6።00 ተደሪርና ናብታ ክንናፍቓ ዝወዓልና ጐደና ሓርነት ኢና ኬድና፣ ንሳ ከኣ ወዛ። መልክዓ። ፍሽኽታኣ። ሽሻያ… ሓንቲ’ኳ ከየጕደለት ተቐበለትና፣ ካባኺ ደኣ እንታይ ክሰኣን እናበልና። ምስቲ ማዕበል ዝውሕዝ። ዝስዕስዕን ዝዕዘብን ዝነበረ ህዝቢ ተሓወስና፣ ካብ ሲቲ-ፓርክ ክሳብ ባሕቲ-መስከረም ብዙሕ ሳዕ ተመላሊስና ኣይሰልቸወናን፣ ክንከይድ ዝነበረ ተምሳጥና። ክንምለስ እንከለና ኣይጸንሕን’ዩ - ካልእ ልብና ዝወስድ ንረክብ ስለ ዝነበርና፣ ኣብ ካልኣይ እግርና ኣብ ከባቢ ኤሪተል ምስ በጻሕና። ብድሕሬና ሓንቲ ጓል ናጽነት “ኮኾብ…! ኣቲ ኮኾብ!” ትብል ነበረት፣ ካብዚ ኵሉ ሰብ ንመን ምዃና ክትፈልጥ ኣይትኽእል ኢኻ፣ እታ ኮኾብ ስማ ባዕላ ግልጽ ክትብላ ስለ ዝዀነት ከይተገደስና ምሓለፍና፣ ኣብዚ ቅንያት ከም ካልእ ግዜ ፈዘዘዝ። ጕዳይካ ጥራይ ምግባር። ብዘይ ዕረፍቲ ምስራሕ። ዕዮ ገዛ ሒዝካ ምጭናቕ… ዝበሃል የለን፣ ኵሉ ኣወንዚፍካ ኢኻ ክትሕጐስ እትቕኒ፣ ዓው ኢልካ ምስሓቕ ነውሪ ኣይኰነን፤

ዓው ኢልካ ምዝራብ፡ ምስ ዝረኸብካዮ ምውዛይ ነውሪ ኣይኰነን፤ ኣብ ዝጸንሓካ ክቢ ሳዕሲዒት ዘይትፈልጦም እንተ ተሓወስካ’ውን ነውሪ ኣይኰነን፣ ኵሉ ሰብ ዘይከም ካልእ ግዜ ንኽስሕቕን ክዋዘን ኣብ ቀረባ’ዩ ዝኸውን፣ እታ ብድሕሬና ትጽውዕ ዝነበረት ሓሊፋትና ነተን ቅድሜና ዝነበራ ሰለሰተ ኣዋልድ ተጸንበረት፣ ሓደ ካባና ቍሩብ ጽንሕ ኢሉ “ኮኾብ!” ኢሉ ጸወዐ፣ ብርግጽ ኣየነይተን’ያ ኮኾብ ዝፈልጥ ኣይነበረን፣ ቀዲማ ግልጽ ዝበለት። ዘይትፈልጦ ሰብ ርእያ ዝተደናገረት። ገለ ምልክታት ወሲድና እንተ ዘይገሚትና ክትፈልጦ ኣይትኽእልን፣ ኮኾብ ቅድሚ ኵለን ግልጽ ኢላ ትፈልጦ ሰብ ሰኣነት፣ ኣርባዕተና ዓይኒ ዓይነን ንርኢ ስለ ዝነበርና ግን ንዓና ነዊሕ ግዜ ጠሚታ ትፈልጦ ሰኣነት፣ ዓርከይ ደጊሙ ጸዊዑ ሰላም በላ፣ ብዛዕባ ስድራ ሓቲቱ ድማ ተፋነዋ፣ ንሕና ተሓቢእና እናስሓቕና ሓለፍና፣ ሰዓት 10።00 ምስ ኰነ ናብ መደቀሲና

ነቐልና፣ ዘገም እናበልና ብኢመግረሽን ኣንቈልቁልና፣ ኣብ ጥቓ መደቀሲና ኣብ መጸበዪ ኣውቶቡስ ኣሳፊሕና ኮፍ ኢልና ዕላል ከፈትና፣ ዝበዝሐ ዕላልና ግንቦት 19991 ኣብ ዘዝነበርናዮ ከመይ ከም ዝነበረ ነዕልል ኔርና፣ ንገለና ብሃሳስ ዝኽሪ ይዝከረና፤ ገለና ከኣ “ከም ዘዕለሉና” እናበልና ኣውጋዕና፣ ገሊኡ እናፈራሕና። ገሊኡ እናስሓቕና ሰዓት ይኸውን ኮፍ በልና፣ ናብ ገዝኡ ዝኣቱ ሰብ እናወሓደ ክኸይድ ጀሚሩ ነይሩ፣ ኣቐዲምና ዝረኽብናየን ደቂ ናጽነት ብስግርና ክሓልፋ። ኖን ኣቐዲሙ ዝፈልጦ። ቅድሚ ሰሙን ሕልፍ ዝበሎ ሰብ ዘለሊ መጭነቕ ዓርክና ረኣየን፣ ደጊምና “ኮኾብ!” ኢልና ጸዋዕና፣ ምስ ደገምና በይና ፍልይ ኢላ መጽአት፣ ኵልና በብሓደ ኣጋማጢልና ሰዓምናያ፣ ንሳ’ውን ኣብ ገጻ ብዘይካ ናብ ስሓቕ ዝቐረበ ፍሽኽታ ሻቕሎት ዝበሃል ኣይነበራን፣ ድሕሪ ደሓን’ዶ ኣለኹም… ደሓን’ዶ ኣለኹም። ሓጻርቲ ዋዛ እናምጻእና ስሓቕና፣ እተን በዓል መን’ዮም ኢለን ኣትኵረን እናጠመታ ዝጽበያኣ ዝነበራ መሓዙታ ክጽውዓ ጀመራ፣ ንሕና ከኣ እናስሓቐት ኮፍ ከም ትብል ገበርና፣ ኵለን መጽየን። “ሰዓመን… ሰዓመን…” ኢልና ነቲ ቀዳማይ ዝነበረ ምስ ደሃልናዮ ኵልና ተሰዓዓምና፣ እዚ’ውን ኣብዚ ቅንያት ነውሪ የብሉን፣ዋዛ ዝበዝሖ ዕሙር ዕላልና ካብቲ

ኣብ ጐደና ሓርነት ዘምሰናዮ ዝመውቕ ኰነ፣ ሽዑ ነብስና መዓስ የኽእለና ኰይኑ ብኸመይ ከም ዝጸዋዕናየን ኣዕሊልናየን፣ ዕላልና ምቍር ሓልዮት።

ፍቕሪን ሕውነትን ዝፈሶ ስለ ዝነበረ። ንራኸበሉ ካልኣይ ኣጋጣሚ ክንገብር ኣይተማታእናን፣ ብዘይ ንሱ ዳርጋ ደቂ ገዛውቲ ኢና፣ መስዩ ምዃኑ እናፈልጥና ቻው ትብል ቃል መን ከልዕላ - ስሓቕ ጥራይ፣ ከይፈተና ክንፈላለ እንከለና ሓደ ሓሳብ ኣንቂለን። “ጽባሕ መበል 18 ዓመተይ እዩ’ሞ ተታሓሒዝኩም ዘይትመጽኡ።” በለትና ሓንቲ ካብአን፣ ኣብዚ ግዜ “ኖእ! ከምዚ ኣለኒ።” ክትብል’ውን ዳርጋ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ጽቡቕ ጥራይ ስለ እትሓስብ ተለፎን ተለዋዊጥና ተፈላለና፣ ቻው ክንበሃል እንከለና ከምዚ ናይ ዓመታት ሌላ ዘለና መሓዙት መሰልና፣ንጽባሓይቱ ካብ ንግደት ፓራዱባ

ናብዘን ቆናጁ ደቂ ናጽነት ክንከይድ’ዩ ነይሩ መደበና፣ ሰኣን ዘይምሉእ ሓበሬታ ግን ኣይሰለጠን፣ ብኡ ጌርና ግን ኣይተጠፋእናን፣ እታ ናይ ሓንቲ ምሸት ሌላ ኣዝያ ምቅርቲን ተናፋቒትን ስለ ዝነበረት ኣይትርሳዕን’ያ፣ ሕሉፍ ሓሊፍና ንሕና ንዝኽረን ኣብታ ፌርማታ ሓንሳእ ኮፍ ንብል፤ ንሳተን ከኣ ብመገደን ከምኡ፣ ብሓደ ኣብ ዝተራኸብናሉ ከኣ ኣብኣ ኮፍ ከይበልና ፍጹም ገዛና ኣይንኣቱን፣ ልብና ብናፍቖትን ፍቕሪን መሊኡ እንከሎ። ብሰንኪ ስራሕን ትምህርቲን ከም ባህግና ኣይተራኸብናን፣ ናፍቖት ክቐትለና ምስ ደለየ ንራኸብ ኢና፣ ብሓባር ግን ኣብ ነዊሕ ኢና ንራኸብ፣ ምርኻብና ግን ብቐንጠመንጢ ክሓልፍ ስለ ዘይንደልዮ። ዕላልና ምስናይ ዋዛኡን ስሓቑን ኣብ ህይወት ሓድሕድና ኣትዩ መግቢ ዝዀነና ቀመም’ውን ንፈቱ ኢና፣ ልብና ከፊትና ብዛዕባ ህይወትናን ብድሆታትናን ነዕልል፣ እቲ ናይ ሓሳብን ንዋትን ሓገዝ ዘድሊዮ ከኣ ዝዓቕምና ኣይስእንን፣ መዓልቲን ከልቢን ከይጸዋዕካዮም

ይመጽኡ ከም ዝበሃል። ከይተፈለጠና ዓመትና ክኸውን ደልዩ፣ ሓቂ ይሓይሽ ከምዚ ናትና ንእግረ መገዱ ንፍቕሪ ዝርኸባ ክንደየናይ ከይህሉ፣ ነዛ ፍቕሪና ከኣ ዓመተ-ልደታ ከነብዕለላ ኢና፣ ብዘይ ንሱ ንሓንቲ ካብ ደቂ ናጽነት ዓመተ ልደታ’ያ፣ ስለዚ ስሉስ ድርብ በዓል ክንገብር ኢና፤ ንኤሩ። “ናሉ”ን ፍቕሪናን፣ ኤሩ ብቕንያቱ ንዓኣ እንዲዩ። ንፍቕሪና ኣብታ ዝተራኸብናላ ኤሪ-ተል ከባቢ ኣብታ እግሪ ሽባኻ ኮፍ ኢልና ሽምዓ ክንውልዓላ ኢና፣ ንጽባሓይቱ ከኣ ንሰለስቲአን መዛዘሚ ክንገብረለን ኢና፣ ርግጸኛ’የ ንዓመታ ኵልና ከምዛ ናይ ሎሚ ኣይነብዕላን ኢና፣ ምኽንያቱ። ንሳዋ ዝብገሱ ውሑዳት ኣይኰኑን፣ እቶም ዝኸዱ’ውን ውሑዳት ስለ ዘይኰኑ በብዘለናዮ ክንገብሮ ንኸውን፣ እንተ ናይ ሓባር’ሞ እዚ ዓመት እዚኣ’ያ፣ እንተ እታ “ኮኾብ!” ትብል ሽም እሞ መዋእልና ኣይንርስዓን ኢና፣ ስማ እንተዘይትጽዋዕ እዚ ኵሉ ኣምበይ ምተረኽበን፣ ምሉእ ቅንያት ናጽነት ምስዘን ጽቡቓት ነሕልፎ ንኸውን፣ እንተዘይጠዓመ ከኣ ንዓመታ ዕምርቲ ክንገብራ ኢና ንሓስብ ዘለና፣ ወድሓንኪ ዳየረይ!

ጥዕምቢሉ

“ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጕዕዞ ተዘክሮ ኣሎ፣ ግዳ እቲ ተዘክሮ ርዝነቱ ይፈላለ፣ ኣብ ልብኻ ዝሰፈሮ ዕምቈት ድማ ንተዘክሮ የድምቖን የህስሶን፣ ሰብ ምስ ተኣከበ ዱጕል ባህርያቱ የንጸባርቕ’ዩ፣ ካብዚ ዝፈለቐ ኵልኻ ብባህግኻ ኣብ ባይታ ክትትርጉም ትደሊ’ሞ ፍልልይ ሓሳብ ይፍጠር፣ ብድሕር’ዚ ዘይምስምማዕ ይኽሰት።” እናበሉ ብዛዕባ ደቂ-ሰብ ንፈልጥ ኢና ዝብሉ ተመራመርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽሑፋቶም ከስፍሩ ተዓዚበን ኣንቢበን ኣለኹ፣ እንታይ ደኣ’ሉ ምስጢር ናይ ሳዋ... እዚ ዝተበሃለ ዘይምልከቶ!?መን ኣሎ ዕዳይ ከፊለ’የ ኢሉ ዝቐስን ሰብ? ዕዳ ይፈላለ’ዩ! ዕዳ ናይታ

ኣሓንቂቓን ረርያን ዘዕበየት ኣደ። ዕዳ ናይቲ ዘይፍሕተር ፋሕቲሩ ምንባር ብዝምችአ ንኽቕጽል ዝገበረ ጻዕራም ኣብ ህይወትካ ኣብነት ዝዀንኻ ኣቦ፣ ዕዳ ናይ’ቶም ደቂ ገዛውትኻ ኣብ ምሕንቃቕ ኣበርክቶ ዝነበሮም፣ ዕዳ ናይ መምሃራንካ ኪኖ’ቲ ንከስዐኻ ንምዕጋብ ንኣእምሮኻ ንምምላእ ከይበቐቑ ፍልጠት ዘስንቑኻ። ዕዳ ኣብ ምንባር ወዲ ሰብ ዝእውዶ ብዙሕ’ዩ፣ ኵሉ ኣብ ህይወቱ ዝጉዓዞ ካብ ሎሚ ሰጊሩ ኣብ ጽባሕ ምስ በጽሐ በቃ ዕዳ’ዩ፣ዕዳ ሃገር ግን ካብዚ ዝተጠቕሰ ልዕል ዝበለ’ዩ፣ ብዘይ ስክፍታ መዘና

የብሉን፣ ዕዳ ናይ ሃገር ዘለካ ኣብ ሳዋ’የ ሚዛኑ ዓቂነዮ፣ ሳዋ ነጋሪት ዕዳይ’ያ፣ እቲ’ኳ ንግሆ ተንሲእና ሰዓትና ንምሕላው። - ግዜ ኣብ ሳዋ ህይወት እንድዩ - ክዳን ቀይርና። ንፊስካ ንጽበየሉን ክሳብ ትውቃዕ ነድምጾ ናይ ሞራል ደርፊ፤ ኣየነይቲ’ያ ምቅርቲን ዝያዳ ነዊሕ ጕዕዞ ከተጓዕዘና ትኽእል እናበልና። ሓደ ክደርፍ ሓደ እታ ካልእ ክብል... ፊስካ ህሩግ ትብለካ፣ ሻቡ ብዝሕኻ ሓሽከት ኣብ መንጐኻ ዘሎ ሃመማ ግን የጽምመካ፣ በታ ዝሕልቲ ድምጺ። ሃገር ናይ ሓባር ምዃና የረድኣካ፣ መዓስ ካልእ ኰይኑ ንብዝሕኻ። መቐረትን መልክዕን ዝቕይረልካ። ርድኢት ሓደ ምዃን፣ብሓቂ እቶም ኣብ ናይ ሞራል ዘበራብሩና ዝነበሩ ሕጂ ክዝክሮም

እንከለኹ ሕርቕ... ሕርቕ ይብል፣ እቲ ምንታይ ናይ ድምጺ ተውህቦ ዘለዎም ሓያላት ድምጻውያን ክንሶም ተውህቦኦም ዘይፈልጡ ከይኰኑ ይጠራጠር፣ እቶም ሰባት ድምጾም’ኮ መረዋሕ’ዩ፣ ንቕድሚትን ድሕሪትን ብማዕረ የስምዑና፣ መዓስ እዚ ጥራይ ንደርፊ ናይ ግጥሚ ሽዑ ነቲ መድረኽ ብዝገልጽ ግጥሚ እናተክኡ ወሃ ዘበለ ደርፊ የስምዑኻ፣ እዚ ኵሉ ተደማሚሩ ንኪሎ ሜተራት ናብ ሜትሮታት ይቕይሮ፣ዘስተማቕሮ መን ኣሎ? ዕረፍቲ ድሕሪ ድኻም’ዩ ዝጠዓመ፣ ከምቲ

ደኺምካ ክትድቅስ ባህ ዝብለካ። ክትጉዓዝ ጸኒሕካ ማይ ሳዋ ድሕሪ ምሕጽብካ ናብ ኣፍ ደገ ገዛውትኻ ተረንሽዋኻ ሒዝካ ወጺእካ ወጃዕ ክትብል...! ፈላጢኡ ይፈልጦ፣ ልዕሊ ተመክሮኻ ዘሕስበካስ እንታይ ኰን ይኸውን እቲ ምስጢር? ኣብ ሳዋ ባህሪ ሰብ ኣይቅየርን’ዩ፣ ምናልባት ከኣ ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ እናበሉ ንባህሪ ቅርጺ ክልውጥ ከም ዘይክእል ዓረ ገይሮም ዝዛረቡ ብዙሓት’ዮም፣ ርግጸኛ’የ ንሳዋ ተወኪሶም ዘይከኣል የለን’ባ ምበሉ፣ ኣብ ሳዋ ሓደ ዘይትጽበዮ ባህሪ ኣብ ነብስኻ ይዝራእ፣ ብኸመይ ይዝራእ ግን ዘይበጻሕኩዎ’ዩ፣ኵሉ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ከተካይዶ ዝወዓልካ ንጥፈታት ኣኳማሲዕካ

ትውሕጠሉ ኣብ ድሕሪ ድራር ዘሎ ወግዒ መዛኑ’ዩ፣ ኵነታት ኣየር ሳዋ ካብ ዞባኡ ዝፍለ ኣይኰነን፣ ኣብ ወግዒ መጋርያ። ሃሩር ሳዋ። ብምቁር ዕላላትን ዋዛታት መዛኑ ሃሲሱ ኣይተስተብህለሉን፣ኣብ ጕዕዞ ህይወተይ ካብ ዘዋህለልኩዎም ተዘክሮታት ዝዓበየ ቦታ ዘለዎ

ኣብ ኣእምሮይ “ተዘክሮ ጽንብላሊዕ” እዩ፣ ጽንብላሊዕ ኣብ ኣእምሮይ ፍሉይ ቦታ’ዩ ዘለዋ፣ ኣስገዶም ኣዝዩ ተጫራቒ ኣፍካ ዘየኽድን ፍቱው ተመሃራይ ወዲ ዙርያና’ዩ፣ ግዳ ንዝርስዑ ዘይመስሉ ዕላላት ኣስገዶም ጽንብላሊዕ ኣረሲዓትኒ፣ ኣስገዶም ኣካላዊ ምንቅስቃስ ብዝተሓወሶ ኮሜድያዊ ዋዛታት የዛኒየና ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካበይ መጺኣ ዘየስተብሃልኩላ ጽንብላሊዕ ናብታ መራሒ መስርዕና ሒዝዋ ዝመጸ ፋኑስ ህሩግ በለት፣ ኣይደጐኹን። ምስ ምምጻእ ጽንብላሊዕ ካብ ስሓቕ ናብ ዕቱብ ሰብ ተቐየርኩ፣ ኣስገዶም ዕላሉ ክቕጽል ኣነ ግን ምስታ ነቲ ፋኑስ ትዀልል ዝነበረት ጽንብላሊዕ ልበይ ተገሪዙ፣ ዕድል ገይረ እምበር ኣስገዶም እንተዘስትብህለለይ’ሞ “እንታይ ክብል ጸኒሐ ድገመለይ?” እንተ ዝብለኒ “ጽንብላሊዕ” ምበልኩዎ፣ ንጥፈታት’ታ ጽምብላሊዕ ምሉእ ብምሉእ’ዩ ንሓሳባተይ ቀይሩዎ፣ ጽምብላሊዕ ሓደ ዘይርሳዕ ነገር ወፍያትለይ፣ ዋጋ ብርሃን ነጊራትኒ፣

ንብርሃን ኣስተማቒራ ኣይጸገበትን፣ ኣብ ምስትምቓራ ከኣ ብርሃን ማሪኹዋ፣ ናብ ቤትሮ ናይታ ፋኑስ ቀሪባ። ህይወታ ንዋጋ ብርሃን ብምሃብ “ኣይዓብየካን’ዩ እንተዘይንኢሱካ” ኢላቶ፣

ይከኣሎ ሃብተ

“ኮኾብ” ዝፈጠረቶ ሌላ ቅነ ናጽነት..!08።30 ድ.ቐ. ሰሉስ 14 ግንቦት 2013

ዋጋ ብርሃን09።30 ድ.ቐ. 26 መስከረም 2005

Page 5: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 5

“መኸተ ድርዕና - ስራሕ ክብርና”ስለ ናጽነት፡ ኣብ ዕለተ ናጽነትቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ

ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ዕለት ልደት ናጽነትና ኣብ ክንዲ ብርሃን ዝደጉሕ ርሺ፡ ዝጓሃሩ ርሳሳት ንድፋዓት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሒቶሞ ነበሩ። ንሞት ናጽነት ኣብ ዕለተ ልደት ናጽነት ዝተላእኩ ጠያይትን ቡምባታትን። ወያነ፡ ንዕለተ ናጽነትና ብሞት ናጽነትና ክትክኦ’ዩ ዝርካቡ ዕጥቅን ሰራዊት ኮሚሩ 3ይ ወራር ጀሚሩ። ኣብ ዕለት 12/05/2000 ኣብ ጋሽ ባርካ ውግእ

ምስ ከፈተ፡ ኣብ ካልኦት ግንባራት ዝነበረ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ተጠንቀቕ ኰነ። ብድምጺ ሓፋሽ፡ “ሰራዊትና ካብ ከተማ ባረንቱ

ስትራተጅያዊ ምዝላቕ ገይሩ” ዝብል ዜና ምስ ተሰምዐ’ሞ ሰራዊት ነዲሩ። ትእዛዝ ከይተጸበየ ብኢደ ወነኑ ከጥቅዕ ተወናዊኑ። ስርዓት ወያነ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ ኣላሽ ምስ በለ፡ ኣንፈቱ ናብ ግንባር መረብ ሰቲት’ዩ ገይሩ። “ገለ እንተ ሰለጠኒ” ካብ ዝብል ትጽቢት፡ ብኻልኦት ግንባራት ካብ ምፍታን’ውን ኣየዕረፈን። ኣብ ግንባር መረብ ሰቲት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ’ቲ ሰራዊት ወያነ ኣብ ድሮ መዓልቲ ናጽነት መጥቃዕቲ ዝኸፈተሉ ዕርዲ እንዳ ዕሸ፡ ዓሪዶም

ዝመከቱ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልከ ከመይ ዝበለ ስምዒት ነይርዎም ይኸውን?ኣባል 7ይ ዙርያ

ኢብራሂም መሓመድ ጻዕዳ (ወዲ ጻዕዳ) ን3ይ ወራር፡ “6ይ ወራር” ክብል’ዩ ዝገልጾ። “ኣብ ቅንያት ጽምብል ናጽነትና ውግእ ምጅማሮም፡ ኣብ ልዕሊ ናጽነትና ንዘለዎም ክቱር ጽልኢ ዘመልክት’ዩ። ካብ ጸላእትና እንጽበዮ ስለ ዝዀነ ድማ ኣይተሃመልናን። 3ይ ወራር ምስ’ቲ ብታሪኽ ዝፈልጦ ሻድሻይ ወራር (ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ) እየ ዘመሳስሎ። ሰፊሕ ምድላዋት ዝተገብረሉ ኲናት’ዩ። ናይ ናጽነት ባንዴራና ኣውሪዶም ዳግም ናይ መግዛእቲ ባንዴራ ኣብ ኤርትራ ን ኸ ተ ን በ ል ብ ል ዝሓለሙሉ ከቢድ ኲናት’ዩ ነይሩ።”ብርግጽ 3ይ ወራር

ሓደገኛ ሸቶ ሓንጺጹ ዝተበገሰ ኲናት’ዩ። ንኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ብምቁጽጻር፡ እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ መግዛእታዊ ስልጣን ብምጭባጥ ናጽነት ኤ ር ት ራ ው ያ ን ንሓዋሩ ከም ከም እትርገጽ ምግባር።ኣባል 1ይ ዙርያ

መኮንን ገብረትንሳአ ከኣ፡ “ኣብ ዕርድታትና ዄንና፡ ነታ ድሕሪ ነዊሕ ምፍሳስ ደም ናጽነት ዝረኸብናላ ዕለተ ናጽነት

ንምብዓል እናተዳለና’ዩ ሓደጋ ዂናት ኣንጸላልዩ። ወያነ ብጋሽ ባርካ ኣቐዲሙ ኲናት ከፊቱ እንተነበረ’ኳ፡ ኣባና ግን ድሮ መዓልቲ ናጽነት ግንቦት 23

ወጋሕታ’ዩ ጀሚሩ። መዓልቲ ናጽነትና ስለ ዝነበረ ጸላኢ፡ ኣብ ካልእ ናይ በዓል ንጥፈታትና ኣድሂብና ክንጸንሖ’ሞ ከገርሃና’ዩ ነይሩ ትጽቢቱ። ንሕና ግን ኩሉ ንጥፈታትና ኣብ ድፋዕና ኴንና ነሰላስሎ ስለ ዝነበርና፡ ንዂናት’ውን ድሉዋት ነይርና። ምእንቲ ናጽነትና ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን እዋንን፡ ዝዀነ ይኹን ዋጋ ክንከፍል ድሉዋት ምዃንና ብግብሪ ዘርኣናሉ ውግእ’ዩ። ዕለተ ናጽነትና ንምዝራግ ኢሎም ብዝኸፈትዎ ኲናት፡ ሬሳ ሰራዊቶም ምስ ተጸፍጸፈ ንገዛእ ርእሶም ዝርግርግ ኣትይዎም” ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።ኣብ 3ይ ወራር ተዓዛባይ፡ “እዚ ኩሉስ

ኣብ ምንቲ ምንታይ” ክሳብ ዝብል’ዩ ሰራዊት ወያነ ሃሊቑ። ኣማውታ ንቡር ስኢኑ፡ ቀብሪ ዘይሕለም ኰይኑ። ቢልዮናት ዝወደአ ኣጽዋር ከም ዝናብ ተኸስኪሱ። ተጋዳላይ ሓምድ መሓመድ ዓሊ

ዓንጃ (ዓንጃ)፡ ን3ይ ወራር “እቲ ልሙድ ናይ ወያነ ተጻብኦ” ክብል’ዩ ዝገልጾ። “ወያነ ኣብ ዕለተ ናጽነትና ኲናት ምኽፋቱ ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ 1999 ዓ.ም. እውን ኣብ ዓዲ ሃኪን፡ ነታ ዕለት ክዘርግ ፈቲኑ ነይሩ’ዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ታሪኽና ንዓለም እነንጸባርቐላ ብምዃንና፡ ብዂናትን ዕግርግርን ተበሊላ ንኽትሓልፍ ወትሩ ምስ ተመነየ’ዩ። ካብ ጸላኢ እንጽበዮ ተጻብኦ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ንዓና ኣየሰንብደናን’ዩ። ይትረፍዶ ምስ ሂወት ዘለዎ ሰብ ኲናት ምኽፋት፡ ብኽብሪ ንዝዓረፉ ሰማእታት ካብ መቓብር ኣውጺኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ክፍክር ዘይሓንኽ ሕሱር ምዃኑ ኣርእዩና’ዩ።” ኣባል 3ይ ዙርያ ዳውድ ዓብደላ

ሓምድ፡ “ኣብ ዕለተ ናጽነትና ውግእ ምጅማሮም መሊሱ’ዩ ኣሐሪኑና። ኣብ ልዕለና ዘለዎም ጽልእን ሕስድናን መዐቀኒ ከም ዘይብሉ ኣርእዮሙና። ሽዑ ኩሉ ኣባል ሰራዊት ምሒር ሓሪኑ። ብፍላይ ብድምጺ ሓፋሽ፡ ሰራዊትና ካብ ከተማ ባረንቱ ከም ዘንሰሓበ ምስ ተነግረ፡ ሰራዊት ብተደጋጋሚ ሕቶታት ኣቕሪቡ። “ስለምንታይ ወያነ ንኸጥቅዓና ኣብ ድፋዕ ኴንና ንጽበዮ ኣለና። ንሕናኸ ብዝመረጽናዮ ድፋዕ ሃሪምና ኢዱን እግሩን ከም ዝእክብ ዘይንገብሮ . . . ?” እናበለ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ይንውንዎም ነይሩ።”22 ግንቦት 2000 ሰራዊት ወያነ

ናብ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ድፋዕ እንዳ ዕሸ ዓሪዱ ዝነበረ ሓይልታቱ፡ እልቢ ዘይብሉ ኣጽዋርን ሰራዊትን ደረበ። ፍሉይ ምንቅስቓስ ናይ ሰራዊቱን ተሽከርከርቱን ናይ ዜሮ ሰዓት ከም ዝኣኸለ ሓበረ። ኣሃዱታት ስለያ ናይ ሓይልታት ምክልኻል፡ ቅድሚ ድፋዕ ብምሕላፍ፡ ምብጋስ ናይ ሰራዊት ወያነ ተጸናጸና። ወጋሕታ ናይ 23 ግንቦት ሰራዊት ወያነ ገለ ዓቕሙ ብሩባ ኩሉሓውታ፡ ገለ ካብ ዓቕሙ ድማ ብሩባ ዕንጉያ ብጸቢብ ቦታ ናብ

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ሓምድ ም.ዓሊ ዓንጃ

መኮነን ገብረትንሳአ

ኢብራሂም መ.ጻዕዳ

ሃብትኣብ መሓሪ

ዳዉድ ዓብደላ ሓምድ

ገ.ሂወት መንግስተኣብ

ዕርድታት ሓይልታት ምክልኻል ብምጽጋዕ፡ ኣብ ዕርዲ ናይ ሓንቲ ሓይሊ መጥቃዕቲ ከፈተ። ብኡ ንብኡ ከኣ ሰራዊቱ ብዓረር እናተመንጠሉ ክወድቁ ጀመሩ። ተጋዳላይ ገብሪሂወት መንግስተኣብ

(ዓዲ ገብራይ) ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህው ከዘንቱ ከሎ፡ “ምዝላቕ ናይ ባረንቱ ክንቅበሎ ተጸጊምና። ሰራዊትና ምስ ምሉእ ዓቕሙን ሞራሉን ነይሩ። ሓለፍቲ ብሕቶታት ሰራዊት ተናዊጾም። ‘ምሉእ ዓቕምን ብቕዓትን እናሃለወና መሬትና እናተወረረ ትም ኢልና ኣይንጽበን ኢና! ንኺድ ነጥቅዕ . . .።’ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣሃዱ ‘ንበገስ’ ዝብል ድልየት ጥራይ ነበረ። ግና ወታሃደራዊ ትእዛዝ ፍጹም ዘይጠሓስ፡ ‘ግበር-ኣይትግበር’ እንዶ ዀይኑ! ሰራዊት ካብ’ቲ ጭራም ካብ መሬቱ ንወያነ ዘይምግዳፍ ዝነበሮ ተሪር መትከል ደኣ’ምበር መሬት ስለ ዝተታሕዞ ተስፋ ቆሪጹ ኣይኰነን። ኣብ 1985 ህዝባዊ ግንባር ካብ ባረንቱ ምስ ኣዝለቐ ስርዓት ደርግ ወታሃደራዊ ዓወት ከም ዝጨበጠ መሲሉዎ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ወታሃደራዊ ስትራተጂ (ብልሓት) ህዝባዊ ግንባር ንስዕረቱ ከም ዘቀላጥፎ ክግንዘብ ክኢሉ’ዩ። ኣብ ድፋዕና እንዳ ዕሸ ውግእ ምስ ተኸፍተ፡ እቲ ‘ነጥቅዕ ንበገስ’ ዝብል ናይ ሰራዊት ወኒ መዓልቦኡ ረኺቡ።” ክብል የብርህ። እታ ሓይሊ ምስ’ቲ

ወረር ወረር እናበለ ዝሃጅማ ዝነበረ ሽሾ ሰራዊት እናተኸራፈሰት ከላ፡ ወጋሕታ ሓሊፉ ጸሓይ በጣዕባዕ በለት። ሬሳ ወታሃደራት ወያነ ድማ ተዛሕዘሐ። ብጸቢብ ኣንፈት ናይ ምብሳዕ ፈተነኡ ምስላጥ ምስ ኣበዮ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ንምምጣጥ፡ ሓይሊ እናደረበን የማነ ጸጋም እናተዘርገሐን ናይ ውግእ ኣንፈቱ ከስፍሕ ጀመረ። ዝወደቐ እንተ ወደቐ ብዝሒ ሰራዊቱ ዝጎድል ኣይነበረን። ብጽዑቕ ዓቕሚ ሰብን ኣጽዋርን ተሰንዩ፡ ተደራራቢ

መጥቃዕቲ ፈነወ። ኣሃዱታት ብኹሉ ኣንፈት ጠያይትን ደብዳብን ይዘንበን እንተ ነበረ’ኳ፡ ካብ ዕርድታተን ፈልከት ኣይበላን። እዋን ኣብ ምርፋዱ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ከናለ ተጠማጠሙ። ንሓንቲ ካልኢት’ውን ኢድ ካብ ቃታ ዘይፍለየሉ መሪር ውግእ ቀጸለ። ቀስ ብቐስ የማነ ጸጋም ዝነበራ ሓይልታት’ውን ኲናት ኣረኻኸበለን። ኣባል 3ይ ዙርያ ሃብትኣብ መሓሪ

(ወዲ ዛግር) ስኽሕክሕ እናበሎ’ዩ ዝገልጾ። “ክሳብ እንርብርብ ኢና ንሰራዊቶም ኣርጊፍናዮ። ብድሕሪት ብገዛእ ሓለፍቶም ብጥይት እናተኾብኮቡ ብቕድሚት ብጠያይትና እናተለቑመጹ ብኽፉእ ጠፊኦም።”

Page 6: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ዛኤር ሓ.ዝ.ብ.ማ. ብምኽንያት በዓል ዳግማይ ትንሳኤ ዝጸንሐ ምጉዳል ዋጋ ቀዳም ዕለት 18 ግንቦት ናይ መጨረሽታ መዓልቲ ምዃኑ

ንዓማዊሉ ክሕብር ይፈቱ።

ኣድራሻና

ኣስመራ መንደፈራ Ø ጎደና ሓርነት ቁ. 32 Ø ከባቢ ሞቢል 09 ነበር ፊት ካተድራል ቤ/ክ ቁ.ስ. 610017 ቁ.ስ. 110074

Ø ጎደና ተጋደልቲ(ባራቶሎ ነበር) ከረን ጎዳይፍ Ø ፓላሶ ሪቫ ቁ.ስ. 182383 ቁ.ስ. 400301

Ø ኣስማራ ፓላስ ደቀምሓረ ኢንተርኮንቲነንታል ነበር Ø ጥቓ መድሃኔዓለም ቤተክርስትያን ቁ.ስ. 153700 ext.2280

ምልክታኣብ ሰ/ምዕ 04 ጎደና 167-16 ቁ.ገዛ 17 ቁ/ፍቓድ ዋኒን

ASL 00006017 ዝተመዝገበ ናይ ድኳን ንግዲ ንግዳዊ ትካለይ፡ ብውህብቶ ንወ/ሮ ኣበባ ክንፈ ጽገ ስለዝሃብክወን ብስም ወሃቢት ዝኽፈሎ ዕዳ ኣሎኒ ወይ ይግበኣኒ እዩ ዝብል ኣካል እንተደኣ ሃልዩ፡ እዚ ምልክታ’ዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤ/ፍ ተቓውምኡ ይቕረብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየሎ ተቖጺሩ ናይ ስም ውህብቶ ተረካቢት ከምዘማሓላልፎ የፍልጥ።

ወ/ሮ ጸሃይቱ ዓንደማሪያም ክ/ማሪያም

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ወ/ሮ ኣኽበረት ሃይለ ገብረእንድርያስ ምባል ተሪፉ፡ ወ/ሮ ሳባ ኪዳነ ሃይለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/5/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ባንክ ልምዓትን ወፍርን ኤርትራ፡ ተኸሳሲ ማሕበር ሕርሻ ከሰሎም ሓ/ዝ/ብ/ማ ኣቶ ዑመር ዓብደላ ሸከር +2 ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሳሲ ማሕበር ሕርሻ ከሰሎም ሓ/ዝ/ብ/ማ 1.ኣቶ ዑመር ዓብደላ ሸከር 2.ወ/ሮ ነጃት ኢብራሂም 3.ኣቶ ዑመር ዓብደላ ሸከር ን11/6/13 ናይ ንግሆ ሰዓት 8፡00 ኣብ ላ/ቤ/ፍ ንግዲ መጋባኣያ 40 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ቤ/ፍ ኣብ ዘየለውሉ ውሳነ ክህብ ምዃኑ ነፍልጥ።

ትሕቲ ዕድመ ኤስሮም ማሪቆስ ኣለም፡ ብሞግዚቱ ፍረወይኒ ኣድሓኖም ኣቢሉ፡ ኤስሮም ማሪቆስ ኣለም ምባል ተሪፉ፡ ኤስሮም ማሪቆስ ኣልኣሚን ተባሂሉ ይተኣረመለይ

ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/6/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ቦኽረጽዮን መብራህቱን ተኸሰስቲ መሓመድ ኑር ሑሴን መሓመድን ወ/ሮ ሓናን ዑስማን ዓሊን ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሰስቲ 1.መሓመድኑር ሑሴን መሓመድ 2.ወ/ሮ ሓናን ዑስማን ዓሊ ብመጸዋዕታ ክቐርቡ ስለዘይከኣሉ ን17/6/13 ሰዓት 8፡00 ናይ ንግሆ ኣብ ላ/ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ቁ.47 ይቕረቡ። እንተዘይቀረቡ ድማ ጉዳይ ኣብ ዘየለውሉ ከረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ከሳሲት ወ/ሮ ራሕማ ኣሕመድ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ጀማል ኣልጣይብ ዓብዱሰላም፡ ናይ ቀለብ ቆልዓ ክሲ ቀሪቡልካ ስለዘሎ፡ ን17/6/13 ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ቁ.52 ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ግን ጉዳይካ ኣብ ዘየለኻሉ ክረአ እዩ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳ

ህጻን ማርታ ገብረሂወት ኪዳነ፡ ብሞግዚት ወ/ት መርሃዊት ኪዳነ፡ ኣቦይ ተጋዳላይ ገብረሂወት ኪዳነ ግርማይ ስለዝተሰውአ፡ ኣነ በይነይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ

ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣኽርያ

ተጋ/ሓዳስ በራኺ ገብራይ፡ በዓል ቤተይ ዶክተር ተወልደ ገብረመስቀል ወልደጋብር ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ለተንስኤ ተኸስተ ተስፋሚካኤል፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ዮውሃንስ ተኽላይ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ከሳሲ ኣቶ ስምኦን ስዩም፡ ተኸሳሲ ኣቶ ዮናስ ጸጋይ፡ ናይ መኪና ምትሕልላፍ ስም ክገብረለይ ስለዘይከኣለ፡ ኣድራሽኡ ድማ ስለዘይፈልጦ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ይጸውዓለይ ስለዝበሉ፣ ተጸዋዒ ን14/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ግን ኣብ ዘየለኻሉ ጉዳይ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣባሻውልን 4 ኣስመራን

ወ/ሮ ኣምለሰት ፍስሃ ተስፋሚካኤል፡ በዓል ቤተይ በረምበራስ ኪዳነ ገብረመድህን ተማኑ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ዕዳጋ

ሓሙስ

ወ/ሮ ኣብርሄት ካሕሳይ ገብረስላሴ፡ ብወኪለን ወ/ሮ ውድሽ ወልደገርጊሽ ኣቢለን ወላድየይ ግራ/ካሕሳይ ገብረስላሴ ስለዝሞተ፡ ኣነ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ውርሻ ክረጋገጽ ምዃኑ ንእዝዝ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

ተጋ/ጽገ ዮውሃንስ ይፍጠር፡ በዓል ቤተይ ተጋ/ዑስማን ሽፋ መሓመድኑር ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ ጓልና ሰላም ዑስማን ሽፋ ድማ ወራሲት ምዃና ይረጋገጸላ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ኣቶ ትንቢት መድሃኔ ኣርኣያ፡ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ተተካእቲ ናይ ኣቦና ነፍ/መድሃኔ

ኣርኣያ ገብረመድህን ምስ ሓንቲ ኣሞና ናይ ሓወቦና ነፍ/ተኪኤ ብርሃነ በየነ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ገነት ገብሩ ኣርኣያ፡ በዓል ቤተይ ተኽለሃይማኖት ሃይለ ተስፋጋብር ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኤልሳ ሃይለ ተስፋጽየን፡ ኣቦና ሃይለ ተስፋጽየን ስብሃቱ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 7 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ገብረሂወት ተወልደመድህን ወልደሚካኤል፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይን 3 ደቂ መዋቲ ተተካእቲ ደቂ ሓወይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲጓዕዳድ

ወ/ሮ ትዕግስቲ ተወልደመድህን ዘራኣብሩኽ፡ በዓል ቤተይ ሙሉጌታ ክፍለ ወልደገብርኤል ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ 4 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ መርሓኖ

ኣቶ መንግስ መዘንግዕ ቀለተ፡ ሓፍትና ኣወጣሽ መዘንግዕ ቀለተ ስለዝሞተት፡ ውላድ’ውን ስለዘይወለደት፡ ኣነ ምስ 7 ኣሕዋተይ 1.ክፍላይ መዘንግዕ 2.ሃብቶም መዘንግዕ 3.ነፍ/ኣእልፉ መዘንግዕ 7 ተተካእቲ ደቃ 4.ነፍ/ጸሃየ መዘንግዕ 5 ተተካእቲ ደቁ 5.ነፍ/ኣለም መዘንግዕ 8 ተተካእቲ ደቁ 6.ነፍ/ተስፋዝጊ መዘንግዕ 6 ተተካእቲ ደቁ 7.ነፍ/ክብሮም መዘንግዕ 9 ተተካእቲ ደቁ ሕጋውያን ወረስቲ ናይ ሓፍትና ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/6/13 ኣብ

ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ክትመውሊዕ

ኣቶ ሃይለ ደብረጽየን ገብረዝጊ፡ ምስ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ቀድሽ ቀሺ ተስፋኣለም ቀሺ ሞሳዝጊ፡ ወድና ኣብርሃም ሃይለ ደብረጽየን ስለዝሞተ፡ ንሕና ወረስቲ ናይ ውላድና ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ሸረፈቶ

ዘውዱ በኹረጼን ገብረገርግሽ፡ ኣቦናን ኣደናን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ናይ ወለድና ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ፍቕያ ጨቐምጠ

ወ/ሮ ሃይማኖት ገብረየሱስ ጎቦና፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ገዝሄይ ገብረሃይማኖት ንርኣዮ ስለዝተሰውአ፡ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ ናይ ጥሮታ ዝኽፈሎ ገንዘብ ስለዘለዎ፡ ብስሙ ስለዝኾነ ናብ ሽመይ ይመሓላለፈለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/6/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ግሮቶ

ስዩም ተስፋይ መርሃይ፡ ኣሞይ ለተዝጊ መርሃይ ወልደጋብር ስለዝሞተት፡ ውላድ ውን ስለዘይብላ 1.ነፍ/ተስፋይ መርሃይ ወልደጋብር 2.ወ/ሮ ኣለም መርሃይ ወልደጋብር 3.ርሻን መርሃይ ወልደጋብር 4.ነፍ/ ገብረማርያም መርሃይ ወልደጋብር 5.ስዉእ ከሰተ መርሃይ ወልደጋብር 6.ወ/ሮ ኣበባ መርሃይ ወልደጋብር 7.ሮማን መርሃይ ወልደጋብር ዝተብሃልና ንወለድና ተኪእና ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 7: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 7

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

ምልክታ ጨረታ

ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኣብ ማካላሲ ዝርከብ ተኽሊ ማንጉስ ዝሓዘ ፍረ፡ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ፡ ግዱሳት ይዕድም። ተወዳደርቲ ፍረ-ማንጉስ ብኣካል ርእዮም፡ ካብ ምምሕዳር ኮለጅ ዘይምለስ 50 ናቕፋ ብምኽፋል ናይ ጨረታ መወዳደሪ ቅጥዒ ክወስዱ ይኽእሉ።ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ዕለት፡ ንሓደ ሰሙን

ክፉት ኮይኑ ይጸንሕ ንጽባሒቱ ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ቤ/ጽ/ምምሕዳር ኮለጅ ሓመልማሎ ይኽፈት።ኮለጅ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ጨረታ ብኸፊል ወይ ብምሉእ

ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ኢዩ።

ምምሕዳር ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ

ንኻልኣይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታ

ምምሕዳር ዞባ ማእከል ንመካነ መቓብራት ዝኸውን መስቀልን መግለጺ ጽሑፍን (ታቤላ) ብእምነ በረድ (ማርሞ) ሰሪሖም ንሓደ ዓመት ብመጓዓዚኦም ዘቕርቡ ግቡእ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረትቲ ይዕድም።- ዘድሊ ዝርዝር ሓበሬታ (Specification) ካብ ኣሃዱ ዕድጊ

ቁ.39 ምውሳድ ይከኣል።- ተጫረትቲ ኣቐዲሞም መኽበሪ ጨረታ ናቕፋ 5,000.00 ብቸክ/

C.P.O የትሕዙ።- ኣብ ጨረታ ዝተገልጸ ዋጋ፡ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ መዓልቲ

ጀሚሩ ን20 መዓልታት ዝጸንሕ ይኸውን።- ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ን10 መዓልታት

ስራሕ ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ ኣብ መዓልቲ ስራሕ ልክዕ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ ይኽፈት።ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ

ብምሉኡ ወይ ብኽፋሉ ንምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ’ዩ።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል

ሓልዮት ማእከል ሞያዊ ስልጠናንኹሎም ጉዱሳት ኣብ ዘዝጥዕሞም ግዜ ብናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኩሮ ዘሎዎም መምሃራን ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ብዘመናዊ መሳሪሒታት ዝተሰነየ ሞያዊ ስልጠና ንምሃብ ምዝገባ ጀሚሩ ከምዘሎ ይሕብር።

እንህቦ ስልጠናታት፡

. ትምህርቲ ኮምፕዩተር . ግራፊክስ . ጽገና ኮምፕዩተር . ጽገና ሞባይል . ኤለክትሮኒክስ . ኤለክትሪሲቲ . ቪዲዮ ኤዲቲን . ምትካልን ምጽጋንን ረሲቨርን ዲሽን . ካሜራ ሹቲን . ሶላር ጸዓትን ምዝርጋሕ ፓነላትን ኣድራሻና : ጎደና ሰላም (ሜዳ ኤርትራ) ፊት ቤት መጻሕፍቲ ኮታሪ እዩ ።

ቴሌ. 07228318/07204551

ምልክታ

ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ ናይ ብርኪ ማሕበር ንኹሎም ነባራትን ሓደስትን ወነንቲ ብርኪ ኣብ 9ይ ስሩዕ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባ ወነንቲ ብርኪ ንኽሳተፉ ይጽውዕ።

ቦታ፣- ሆቴል ኣስመራ ፓላስ - ( ኣዳራሽ ሰላም )ዕለት፣- 1 ሰነ 2013ሰዓት፣- 7:45 ቅድሚ ቀትሪ - ምምዝጋብ ወነንቲ ብርኪ 8:30 ቅድሚ ቀትሪ - ምጅማር ኣኼባ ንድፊ ኣጀንዳ 1. ምጽዳቕ ንድፊ ኣጀንዳ

2. ምምዛዝ ኣባላት ኣዳለውቲ ዉሳነ ኣኼባ 3. ምጽዳቕ ደቓይቕ ናይ ሕሉፍ 8ይ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ

4. ኣብ 8ይ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ ዝተላዕሉ ነጥብታት

5. ጸብጻብ ንጥፈታት ሃ.ኮ.መ.ኤ

6. ጸብጻብ ናይ ቦርድ

7. ጸብጻብ ናይ ዓመተ 2012 ሕሳብን ምምቕራሕ መኽሰብን

8. ምምዛዝ ኦዲተራት

9. ካልእ ክዝተየሉ ዘለዎ ኣርእስቲ

10. ምውሳን ዕለትን ቦታን ናይ 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ወነንቲ ብርኪ

ንኣኼባ ዝምልከቱ ሰነዳት ካብ 29 ግንቦት 2013 ጀሚሩ ካብ ቤት ጽሕፈትና ክውሰድ ይከኣል።

እቶም ብኣካል ክሳተፉ ዘይክእሉ ወነንቲ ብርኪ ናይ ውክልና ቅጥዒ ካብ ቤት ጽሕፈትና ወይ ካብ መርበብ ሓበሬታና www.nice-eritrea.com ወሲዶም ድሕሪ ምምላእ ክሳብ 30 ግንቦት 2013 ኣብ ዘሎ ግዜ ክልእኩልና ነዘኻኽር።

ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ ናይ ብርኪ ማሕበርብትእዛዝ ዲረክተራት ቦርድ

ምልክታ ጨረታ

ሚ/ሪ ጥዕና Public Health Department ንNTLCP/MOH ኣገልግሎት ዝውዕል፡ (Printing guidelines and forms) ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ይዕድም።ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት።1. ተወዳደርቲ ናይ 2012 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ከቕርቡ ይግባእ።2. ተወዳደርቲ መኽበሪ ጨረታ ዝምለስ 10,000.00 ብሲፒኦ (C.P.O) ከትሕዙ

ይግባእ።3. ምልክታ ጨረታ ክሳብ 21/5/13 ሰዓት ሓሙሽተ ድ/ቀ ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ

22/5/2013 ሰዓት 9፡00 ቅ/ቀ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሚ/ሪ ጥዕና ቁ.36 ይኽፈት።4. ዝርዝር መግለጽን ሓበሬታን ካብ ቤ/ት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ሚ/ሪ

ጥዕና ምውሳድ ይከኣል ወይ ብቁጽሪ ቴሌፎን 125312/202928 ብምድዋል ሓበሬታ ውሰዱ።5. ቤት ጽሕፈትና (ሚ/ሪ ጥዕና) ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብኸፊል ወይ

ብምሉእ ጨረታ ንምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

ምልክታ

ብስም ፊልሞን ኪሮስ ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዳዕሮ ጳውሎስ ብመወከሲ ቁጽሪ 001046 ቁጽሪ ምስክር ወረቐት 004 ብቁጽሪ ፕሎት 14 ፓርሰል “D”ንመንበሪ ጤሳ ዝተዓደልክዎ ምስክር ወረቐት ስለዝጠፍኣኒ፡ ዝረኸበ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል እንተሎ፡ ብቁጽሪ ቴሌፎን 07127401 ክሕብረኒ፡ እንተዘይኮይኑ ግን መተካእታ ክወሃበኒ ክሓትት ምዃነይ አፍልጥ።

ወኪል ክብሮም ተኽለ

Page 8: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 8

መበል 49 ክፋል

በዓል ወጻኢመርሃዊት ገጽ’ታ ከም መሓዝኣ

ትሓስባ ዝነበረት ኣዛሄር ምስ ረኣየት ፍሉይ ናይ ፍርሒ ስምዒት ክወራ’ዩ ተራእዩ። ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸመቶ ተግባራት እናዘከረት ስክፍታ ብርእሰ ተኣማንነት ክትንቀሳቐስ ኣይሓገዛን። ‘ከመይ ገይራ ኮን ክትቅበለኒ’ያ?’ ብምባል ዓይኒ ዓይኒ ኣዛሄር ክትርኢ ሞኽታኣ በልዐት። ኣዛሄር ግና ኣንጻር ስምዒት’ዩ ዓሲልዋ ነይሩ። ገጽ’ቲ ከም ኣፍቃሪኣ ዝተቐበለቶ ሚልክያስ ካብ ዘይትርኢ መዓልትታት ስለ ዝገበረት፡ መርሃዊት ተስፋ ሒዛትላ ዝመጽአት’ዩ ዝመስላ ነይሩ። ‘ሚልክያስ’ዩ ልኢኽዋ ዝኸውን’ ዝብል ሓሳብ ድማ ነታ ጎርዞ ምስ ረኣየት’ዩ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣእምሮኣ ሰፈሩ ኣቐሚጡ።“ስድራ ከመይ ኣለው?’’ ኣዛሄር ግዳሰኣ

ንምግላጽ ዓሚቚ ሰላምታ ክተቕርብ ጀመረት። መሪሓታ ናብ ሳሎን ክታኣቱ እንከላ ብተስፋ ውሽጣ ዝፈጠረቶ ናይ ሓጎስ ስምዒት ናብ ልባ ገጹ ክውሕዝ ይፍለጣ ነበረ። ምስ ሚልክያስ ወላ’ኳ ኣብ ሓሳብ ዘይምስምማዕ እንተተፈጥረ ካልእ መዓልቲ ተራኺቦም ዝዘራረቡ’ምበር ከምኡ ገይሩ ክጠፍኣ ትጽቢታ ኣይነበረን። ሱቕ ምስ በለ ድማ ከም ጓል ንሳ’ውን ሱቕ ክትብል’ያ ተገዲዳ። ተሌፎን ደዊላ ደሃዩ ከይትሓትት ከም ፈኳስ ከይትሕሰብ ኣፍሪሕዋ። ኣደኣ ዕርቂ ምፍጻሙ ምስ ሓበረታ’ውን ‘ሎሚ ወይ ጽባሕ ደሃይ ክገብር’ዩ’ እናበለት’ያ ብተስፋ ተጸብያቶ። ግና ከም ሓሳባ ክኸውን ኣይረኣየትን። ድሕር’ዚ ገለ ናታ ስጉምቲ ክትወስድ’ያ ኣብ ሓሳብ ኣትያ። ሚልክያስ ካብ ቤት ዝወጽኣሉ ሰዓታት ኣጽኒዓ ኣብ ኣፍደገ ክትጸንሆ ኣብ ሃሳባ ዝነበረ’ዩ። እዚ ከይፈጸመት እንከላ’ያ ድማ ገጽ መርሃዊት ርእያ። መርሃዊት ናብ ቤታ ምምጻእ ድማ ንትጽቢታ ዝምልስ ገይራ ስለ ዝወሰደቶ ተስፋ ሓዚላያ ተቐቢላታ።“ደሓንዮም’’ መለሰት መርሃዊት

ምቕልል ኢላ። ኣቀባብላ ናይ ኣዛሄር ካብ ትጽቢታ ወጻኢ ስለ ዝነበረ ከየገረማ ኣይተረፈን። “ኣደይ ርግበ ደኣ የለዋን ድየን?’’ ሓተተት መርሃዊት ኣዒንታ ኣብ ውሽጢ ሳሎን እናንከባለለት። ግና ኣደይ ርግበ ዝብል ቃል ምስ መለቛ ስኽኽ ዘብል ስምዒት ዓሲልዋ’ዩ። ምኽንያቱ ኣዛሄር ብተደጋጋሚ ‘ማማ ርግበ ክትብል’ያ ትምሕጸና።“ምብጻሕ ኣለኒ ኢላ ወጺኣ ኣላ።’’

መለሰት ኣዛሄር ቅልጥፍ ኢላ። መርሃዊት ዝበለቶ ዘስተውዓለትሉ ኣይትመስልን። ኣእምሮኣ ካልእ ክሰምዕ’ዩ ዝጽበ ነይሩ። ግና እታ ኣብ ቤታ ዝነበረት ጎርዞ መምጽኢኣ ዝረስዐት ክትመስል ከምቲ ዝድለ ኣይሓገዘታን። “ንዓኣ ዲኺ ደሊኺ?’’ ጽቡቕ መዛረቢ ኣርእስቲ ስለ ዝረኸበት ናብ ጉዳያ ዘአቱ ሕቶ ኣስዓበት።“ሰላም ዘይበልክወን ኢለ’የ። እምበር

ኣነስ ንዓኺ’የ ደልየ።’’ ድሕሪ ዘረባኣ ስክፍታ ብዘለዎ ገጽ ቀው ኢላ ጠመተታ። እታ ህንጡይነት ዝነበራ ኣዛሄር ድማ ትጽቢታ ቀጸለት። “ሓደ ነገር እንድየ ክትሕግዝኒ ደልየ።’’ ብምባል ሽዑ’ውን ናይ እወታ ስምዒት ኣብ ገጽ ኣዛሄር ክትርኢ እቶም ልሙዳት ኣዒንታ ተኸለቶም።“ሽግር ኣጋጢሙኪ ድዩ?’’ ገጻ

ኣሲራ’ያ ሓቲታታ። ምኽንያቱ ካልእ ትጽበ ብምንባራ እቲ ዝሰምዓቶ ዘረባ ንትጽቢታ ዘምክን’ዩ ነይሩ።“ሓደ ወዲ ንፍቕሪ ይሓተኒ ኣሎ’ሞ

ኣነ ድማ ከምቲ ትፈልጥኒ ዝፈልጦ

ስለ ዘይብለይ. . .” ኣይቀጸለትን። ኣብ መንጎ ሕፍረት ኣሲርዋ ክምስ ኢላ ርእሳ ኣድነነት። “እንድዒ ሓፊረ እንድየ ኣቲ ኣዙ’’ ብምባል ኣቐባጠረት። ኣዛሄር እቲ ዘረባ ከም ዘገረማ እናኽመስመሰት ርእሳ ነቓነቐት።“ኣወዳት ሓቲቶሙኺ ኣይፈልጡን

ድዮም?’’ ኣዛሄር ዝገረማ’ያ ትመስል ነይራ። ምኽንያቱ ንዓኣ ኣብ መገዲ ደው ኣቢሎም ንፍቕሪ ዝሓትዋ ኣወዳት ማእለያ የብሎምን። እቲ ንዓኣ ዘጋጥማ ጸገም ድማ ንኹለን ኣዋልድ ዘጋጥም’ዩ ዝመስላ ነይሩ።“ሕጂ’ዩ ዘጋጥመኒ ዘሎ።’’ በለት

መርሃዊት ብዙሕ ከይተገደሰት። ዘረባኣ ግና ጸኒሑስ ኣጣዒስዋ’ዩ። ኣብ ቅድሚ መሓዝኣ ከምኡ ዓይነት ንነብሳ ኣትሒቱ ዘገምት ዘረባ ክመልቋ ከም ዘይነበሮ ደ ሓ ር ’ ዩ

ተረዲእዋ። “ደሓር ከኣ ኣነ ብሰንኪ ዘለኒ ስራሕ ኣበይዶ እወጽእ’የ?’’ ንዝመለቛ ዘረባ ክተመዓራሪ ፈተነት። “ስለዚ ገለ ምኽሪ ክትህብኒ’የ መጽእየኪ። ብዘይካኺ እዚ ጉዳይ ካልእ ሰብ ክፈልጠለይ ኣይደሊን’የ።’’ ቃና ናይ ልመና ገይራ ሓበረታ።“ጸገም የለን፡ ኣነ ዘይሓገዝኩኺ ደኣ

መን ክሕግዘኪ።’’ በለት ኣዛሄር ምቕልል ኢላ። ብልባ ዘይወግዓዊ ዕርቂ ክትገብር ወሲና ነበረት። ብዘይጠቅም ጉዳይ’የን ተረሓሒቐን ነይረን። “ግና ክልቴና ኢና ክንተሓጋገዝ ዘለና። ኣነ’ውን ካባኺ ብዙሕ ሓገዝ’የ ዝደሊ። ከም ትፈልጥዮ ምስ ሚልክያስ ፍቕሪ ጀሚርና ነይርና ኢና።’’“እሞ ተባኢስኩም ዲኹም?’’ ኣብ

መንጎ ጣልቃ ኣትያ ሓተተት። ብሓደ ከም ዘለው’ያ ትፈልጥ። እቲ ዝሰምዓቶ ዘረባ በኹሪ እዝና’ዩ ነይሩ።“ደሓን ብዛዕባኡ ቀስ ኢልና

እንተኣዕለልናሉ ይሓይሽ። ሕጂ ግና ኣብ ናትኪ ጉዳይ ንዘራረብ. . . . ማለተይ ነዚ ትብልዮ ዘለኺ ወዲ ንስኺኸ ብኸመይ ስምዒት ኢኺ ትርእዮ? ሕራይ ክትብልዮ ትሓስቢ ስለ ዘለኺ ዲኺ ተገዲስክሉ?’’መርሃዊት ቅድሚ ምምላሳ ርእሳ

እናነቕነቐት ኣኽመስመሰት። ነቲ ዝቐበራ ሕፍረት ብቐሊሉ ክትሰግሮ ኣይከኣለትን። “ኣነ’ውን ፈትየዮ ኣለኹ።’’ በለት ድሕሪ ነዊሕ ምዕጥይጣይ።

***ኣሞን ሓወቦ ሶልያናን ኣብ እንዳ

ሓዎም መጺኦም ዝጀመርዎ ዘረባ ገና ኣብ መደምደምታ ከይበጽሐ እንከሎ’ዩ ኣቶ ቀላቲ ክቑጣዕ ተራእየ። ብጉዳይ ሶልያና ዝተላዕለ ዕላል ነቶም ሰልስተ ኣሕዋት ከሰማምዖም ዝኻል ኣይነበረን። “እሞ እንታይ ዘይገበርኩ ኢኺ

ትደልዩኒ ዘለኺ ሳራ? ከም ኣቦ መጠን ክውስን ኣይነበረንን ድዩ እዚ ዘረባ?’’ ርእሶም እናነቕነቑ ኣዕሚቆም ኣስተንፈሱ። “ዘይ ሶልያና መን ገይሩኒ!”“ቀላቲ እንታይ ኴንካ ኢኻ ከምኡ

ገይርካ ተንጸርጽር! ንዓናኸ ጓልናዶ ኣይኮነትን። ንሕና ኣይፈለጥናን ንብለካ ኣለና። ካልእ ይትረፍ

ክትነግረና’ዩ ዝግበኣካ ነይሩ።’’ ቀው ኢሉ ጠመቶ። “ሕጂ’ውን ገለ ነገር ይገበር። ትም ደኣ

ይበሃልዶ ኮይኑ?’’

“ ት ም ዝበለ’ኳ የለን።” ንጽህቲ ግብረ መልሲ ሃበት። “ከምዚ ክትብልዎ ዝጸናሕኩም ንገዛኣ ክትምለስ ዝከኣለና ገይርና ኢና። ግና ሶልያና ጓለይ ፍቓደኛ ኣይኮነትን። እዚ ምስ ኮነ’ውን ከምቲ ዝበልክሞ ጓል ካብ ቤት ወጺኣ እንትርፎ ሕማቕ ካልእ ከጋጥማ ከም ዘይክእል ኣሚና ናብ ልባ ትምለሰሉ መንገዲ ክነናዲ ጸኒሕና ኢና። ሕጂ’ውን ብገለ ሰባት ዝተበጋገሰ ናይ ዕርቂ ጉዳይ ጀሚርና ኣለና።’’ ስቕ ከም ዘይበሉ ክተረድእ ዝከኣላ ገበረት።“ኣብቲ ዘላቶ ክንከዳ ሓብርና። ስድራ

እንከለና ጓና ክኣትዎ ጽቡቕ ኣይኮነን። ደሓር ድማ ቀላቲ ዝተጋገኻዮ ነገር ኣሎ። ሓንሳብ ኣሚንካ ኣንተሕጺኻያ ዘይተመርዕዋ ዝነበርካ?’’“ኣብርሃ ኣብ ዘይትፈልጦ ጉዳይ

ኣይትእቶ።”“እንታይ ኮይነ ዘይፈልጦ! ኣብ

ሕጸኣ ተዓጢቐ ኣይወዓልኩን ድየ? እንታይ ማለትካ’ዩ ተጓንየና። ሓደ ስድራ ኢና መስለኒ። ጉዳይና ድማ ባዕላትና እንተፈታሕና’ዩ ጽቡቕ።”“ዘይኮና እንተኾይኑ እንታይ ዘይገበርኩ

ኢኻ ደሊኻ? ልክዕ’ዩ ዝኾና መሲሉና ከይፈለጥና ኣሕጺናያ። እዚ ጌጋ ምንባሩ ንኣምን። ግና ሓንሳብ ስለ ዝተጋገና ብኡ

ኣቢልና ክንጋገ ዲና ክንነብር?’’“ኣቐዲምካ መጽናዕቲ ክግበር’ዩ

ነይርዎ።” ሳራ ርኢቶኣ ኣፍሰሰት። “ሕጂ ግና እቲ ዝኾነ ኮይኑ ስለ ዘሎ እዛ ቈልዓ ናብ ቤታ ትምለሰሉ ጥራይ ይናደ። ንጽህቲ ኣብዘላቶ ክትወስድና ትኽእሊ ዲኺ?’’“እንታይ ጸገም ኣለዎ?’’ ከም ትወስዶም

ኣረጋገጸትሎም።

***“ኣበይ ደኣ ጸኒሕኪ?’’ ኣብ ቤት ምስ

ኣተወት’ዩ ሚልክያስ ብሕቶ ተቐቢልዋ። ከም ናይ ኣደኡ ስምዒት ከይህልዋ ስለ ዝተሰከፈ ግና ቀልጢፉ’ዩ ዘ ረ ባ ኡ ኣተዓራርዩ። “ማለተይሲ ነዊሕ ግዜ

ወሲድኪ ክ ብ ል

እምበር ካ ል እ

ኣይኮነን። ምናልባሽ ሎሚ

ወጺአስ ይሓተኒ ዝብል ስምዒት ከይሓድረኪ ኢለ’የ።’’ በላ

ክምስታ ኣሰንዩ። ናይ ኣደኡ ዘረባ ካብ ባዶ ድዩ ዝብገስ ምኽንያት ኣለዎ’ውን ክፈልጥ ደልዩ ነበረ።“ኣብ እንዳ ኣዛሄር እንድየ ጸኒሐ’’

በለቶ ቅልጥፍ ኢላ። ጽቡቕ ናይ ኣዛሄር ክትነግሮ ባዕሉ መንገዲ ስለ ዝኸፈተላ ባህ ኢልዋ ነበረ። ምኽንያቱ ምስ ኣዛሄር ብዙሕ ዕላል’የን ኣዕሊለን። ኣብ መንጎ ክልቲአን ቃል ዝኣተዋሉ ጉዳይ ድማ ሓንቲ ነታ ካልእ ክትሓሊ’ምበር ክተጥቅዕ ከይትብገስ ዝብል’ዩ።“እዋእ ጽቡቕ’ምበር’’ በላ ሚልክያስ

ዘይተገደሰ ክመስል እናደለየ። እቲ ዕላል ካብኡ ንላዕሊ ክቕጽል ስለ ዘይደለዮ ድማ ኣብ ሓሳብ ከም ዝኣተወ ትም በለ። መርሃዊት ግና እቲ ንኣዛሄር ኣልዒሉ ዝተጀመረ ዕላል ክቕጽል ደልያቶ ነበረት። ኣዛሄር ኣብ ልዕሊ ሚልክያስ ዝነበራ ስምዒት ምንም ከይሓብአት ሓቢራታ’ያ። ብዝከኣላ መንገዲ ክትሕግዛ’ውን ተማሕጺናታ’ያ።“ኣብ ትምህርተይ ይኹን ኣብ ካልእ

ትሕግዘኒ ንሳ እኳ’ያ።’’ ንፈለማ እዋን’ያ ናይ ኣዛሄር ጽቡቕ ጎድኒ ትነግሮ ነይራ። “ብዘይካ ናብኣ’ኳ ናብ ካልእ ዘይከይድ።’’ በለቶ ንእግረ መንገዳ ካብ ቤት ከም ዘይትወጽእ እናሓበረት።“እዋእ ጽቡቕ’ምበር’’ በለ ሚልክያስ

ናይ መርሃዊት ኣታውን ወጻእን ጠባይ እናገምገመ። ‘ተዓሪቐን ኮይነን ማለት’የን ሕጂ ጸጽቡቑ ትዛረብ ዘላ’ እናበለ ድማ ትዕዝብቱ ቀጸለ። “ኣነ ናብ ኣዛሄር ጥራይ

ኪዲ ዝብል ሕጊ ክገብረልኪ ኣይደሊን’የ። ምኽንያቱ ሰብ ናጽነቱ እንተረኺቡ’ዩ ናብ ዓወት ገጹ ዝምርሽ። ኣደይ ግና ከም ትፈልጥያ ናብ ወላሓደ ክትወጺ ኣይትደሊን’ያ። ኣነ ዝድግፎ ኣይኮንኩን። ወጺኺ ሻሂ ክትሰትዩ ምስ ሰባት ክትላለዩ ኣለኪ በሃላይ’የ።” እምነቱ ገለጸላ።“ሓቅኻ እንዲኻ ኣታ ሚልክያስ!’’

በለቶ ናይ ልባ ስምዒት ስለ ዝተረድኣላ ቅልጥፍ ኢላ። “ኣነ ደኣ ከምቲ ሓደ ግዜ ዝነገርኩኻ ካብ ቤት ክወጽእ ዘይፍቀደለይ።’’ ክተስቆርቁር ተሰምዐት።“ክተስቆርቁሪ ኢለ ኣይኮንኩን ዝነግረኪ

ዘለኹ። ግና ኣብ ቤት ተዓጺኺ ክትብሪ ዝድግፎ ኣይኮንኩን። ኣደይ ከምዚ ዝረኣኽዋ ምምዓድ ዘይኮነ ምዕጻው’ያ ትፈልጥ። ኣነ ግና እዚ ዝድግፎ ኣይኮንኩን። ዓርኪ ክትሕዚ’ውን ድሌተይ’ዩ። ካበይ ደኣ ናይ መጻኢ ዝኾነኪ ሰብ ክትረኽቢ? ንምዃኑ እስከ ከይሓባእኪ ህይወትኪ ንገርኒ. . .ዓርኪ ኣለኪ ድዩ?’’መሃዊት ኣብ መንጎ ሓቅን ሕፍረትን

ተቐርቂራ ቁሩብ ግዜ በልዐት። ክነግሮዶ ትም ክብል ኣብ ዝብል ምንስልላው ተጸሚዳ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ክትነግሮ ወሰነት። “እወ ኣለኒ’’ በለቶ ንሓቅነታ ዘራጉድ ርእሳ እናነቕነቐት።“እንታይ ትብሊ ኣለኺ?’’ ተገሪሙ

ብዓይኒ ትዕዝብቲ ጠመታ። “ኣነ ደኣ ከምዞም ደቀስመራ ዝብልዎ ፋራ እንዲኺ ትመስልኒ ኔርኪ።’’ በላ እናሰሓቐ።“እዋእ! እንታይ መጺኡኒ ደኣለይ

ፋራ ዝኾንኩ!’’ በለቶ ከም ኩርዕ ኢላ። ትም ስለ ዘይበለት ድማ ሓበን ተሰምዓ። ‘ቅድሚ ሕጂ ፋራ ነይረ ማለት’ዩ’ ንዝሓለፈ ህይወታ ኣነኣኣሰቶ።“ኖእ እጻወተኪ’የ ዘለኹ። ግና ኣብዚ

ዘለኽዮ ዕድመ ግድን ዓርኪ ክህልወኪ ኣለዎ። ምኽንያቱ ዓርኪ ማለት ሰይጣም ማለት ኣይኮነን። ህይወት ድማ ርኢኻ ኢኻ ትፈልጣ። ኣወዳት እንታይ ምዃኖም ቅድሚ ሓዳር ምእታውኪ ክትፈልጢዮም ግቡእኪ’ዩ። እንተኾነ ኣደይ ክትፈልጠኪ ከም ዘይብላ ድማ ኣይትዘንግዒ።’’“ማማ እንተፈሊጣ ድኣ ካብዚ ቤት

ክተውጽኣኒ!’’ ቀንዲ ስክፍተኣ ካብቲ ቤት ከይወጽእ ስለ ዝኾነ ንእግረ መንገዳ ስግኣታ ሓበረቶ።“ኣጆኺ ብኸምዚ ኣይትወጽእን

ኢኺ። ግና ተወሳኺ ሕቶ ክሓተኪ ፍቓደኛ ዲኺ?’’ ፍቓደኛ ምዃና ርእሳ ብምንቕናቕ ኣረጋገጸትሉ። “ኣብ ዕርክነት ክንደይ ገይርኩም ኣለኹም?’’“እዋእ ሕጂ ደኣ. . .” በለት ኣብ ሓሳብ

ኣትያ። “ዳርጋ ክልተ ዓመትና ኮይኑ።’’ እታ ፋራ ትብል ቃል ምእንቲ ከይትቐርባ ዘይዘረቶ ዓመታት ደሚራ ነገረቶ።“ጽቡቕ!’’ ብኣድናቖት ጠመታ። “እሞ

ክድሚ ምኻደይ ሓደ መዓልቲ ምስ ዓርክኺ ድራር ክጋብዘኩም’የ። ካልእ ዝገብረልኪ’ውን ክህሉ’ዩ። መን’ዩ ስሙ ዓርክኺ?’’“ቢንያም” በለቶ ሽዑ’ውን ካብ ኩርዓት

ከይረሓቐት።

ይቕጽል

ብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]

Page 9: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሸባብሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 -ገጽ 9

ልዝብ

ሸባባት

ደሞዝ ጸጋብርሃን

ትርጉምን መልእኽትን ናጽነት ንመንእሰያት

መም/ዓብዱ መሓመድ

ናጽነት ቃል ብቓል ክትርጐም እንከሎ፣ ካብ ናይ ካልኦት ቍጽጽር (ኣርዑት መግዛእቲ) ሓራ ምዃን ማለት እዩ። ዝዀነ ፍጡር ብፍላይ ከኣ ወዲ ሰብ ልዕሊ ኵሉ ዝምነዮን ዝሰርዖን መሰረታዊ ኩነት ከኣ ናጽነት እዩ። ናጽነት ኣብ ምንባርካ እትረኽቦ ክብረትን ውሕስነትን ኮይኑ ክሳድካ ኣቕኒዕካ ብመደብካ ክትንቀሳቐሰሉ እትኽእል ሰፊሕ ዕድል እዩ። ብዓቢኡ ናጽነት እንተሃልዩ ህላወ ወዲ ሰብ ውሑስ ይኸውን።

ሓደ ዜጋ ወይ ኣባል ናይ ሓደ ሕብረተሰብ፣ ናጻ’ዩ ክበሃል እንከሎ ግና ክብርን መንነትን ናይ’ቲ ዝነብረሉ ከባቢ፣ ሕብረተሰብ፣ ሃገር ሓልዩን ኣኽቢሩን ግቡኡ ዝፍጽመሉን መሰሉ ዝረኽበሉን ማለት እምበር፣ ንመሰልን ክብርን ካልኦት ዝግህሰሉን ከም ቃሕታኡ ዝዕንድረሉን መድረኽ ኣይዀነን። ናጽነት ድላይካ እትዕንድረሉ ቃሕ ዝበለካ እትረኽበሉ ኩነት ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ መደብካ ብገዛእ ፍቓድካን ዊንታኻን ከተተግብር፣ ዕድልካ ባዕልኻ ክትውስን ምኽኣል፣ ሓላፍነትካ ባዕልኻ ምስካም ማለት እዩ። ከምቲ ፕረዚደንት ጋና ነበር ክዋመ ንክሩማህ ዝበሎ፣ “ብኻልኦት ንግዛእ እንተደኣሃሊና፣ ጌጋታትና ኣብ ኣፍደገ ማዕጾኦም ኢና እንድርብዮ፣ እቲ ሓላፍነት ናይ ምውሳድ ስምዒትና ኸኣ ምስኡ ይመውት። ናጽነት ሓላፍነት ሒዙ’ዩ ዝመጽእ፣ ነዚ ሓላፍነታት ክንስከም ቅሩባት እንተዀይና ኸኣ’ዩ ተሞኵሮታትና ሃብታም ዝኸውን።”

ናጽነት ኣብ ኵሉ ሕብረተሰባት እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ሓደ እኳ እንተዀነ፣ ዝወሃቦ ክብርን ርዝነትን ግና ይፈላለ እዩ። ከምቲ ብቐሊልን ሕሱርን ዋጋ ዝረኸብካዮ ነገር ኣፍኵስካ፣ ነቲ ብብዙሕ ድኻምን ጻዕርን ዝተረኽበ ኸኣ ብጥንቃቐ፣ ክብርን ክንክንን እትሕዞ፣ ናጽነት’ውን ማዕረ እቲ ዝኸፈልካሉ ዋጋን ዘህለኽካዮ ግዜን ኢኻ እተኽብሮ። ናጽነት ኤርትራ በዚ መንጽር ክርአ እንከሎ፣ እምብዛ ረዚን እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ናጽነት ኣብ ፒያተ ተቐሪቡ ዝተዋህበ መሰል እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ብብዙሕ ዋጋ ዝተጐናጸፎ እዩ። ናጽነት ንህዝብና መሰል ጥራይ ዘይኰነ፣ ፍረ መሪር ዋጋ እዩ። ክንዲ ዝዀነ እቲ ትርጉሙ ዓሚቕን ረዚንን ይኸውን። ክንዲ ዝዀነ፣ ንነፍስወከፍ ኤርትራዊ መዓልቲ ናጽነት(24 ግንቦት) ምዝኽኻር ዘየድልዮ፣ ብወርቃዊ ቀለም ዝተወቕረ ጽምብል እዩ። ኤርትራዊ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ምእንቲ ሃገር ዝሓለፉ፣ ዝሰንከሉ፣

ዕድመ ንእስነቶም ዝወፈዩ ስዉኣትን ህሉዋትን ጀጋኑ ዝዝክረላን ቃሉን መብጽዓኡን ዘሐድሰላን ረዛን ዕለት እያ።

ናጽነት ኤርትራ ብተወፋይነትን ጅግንነትን ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ፣ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ እዩ ተረኺቡን ተዓቂቡን። መንእሰያት ኤርትራ ትማሊ ኣብ ምምጻእ ናጽነት ከም ሞተረን መንኰርኰርን ኰይኖም ተጋዲሎም፣ ሎሚ’ውን ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነትን ናጽነትን ብምሉእ ተወፋይነትን ሓላፍነትን ሰ ሪ ሖ ም ን ኣብ ምስራሕ ይ ር ከ ቡ ን ኣ ለ ዉ ። እዚ ኣብ 98 ዝተወልዐ ናይ ወያነ ኩነታት፣ ኣብ ሰለስቲኡ ወ ራ ራ ት ኣይምብርከኽን ዝበለ መንእሰይ ሎሚ እዩ። እዚ ኸኣ ኣሰር ናይ’ቲ ዝሓለፈ ውፉይ ተጋዳላይ ዕማም እዩ። ገና’ውን ነቲ ናጽነት ዝፈጥሮ ሓልፍነት ተሰኪሞም፣ ኣብ ዳግመ ህንጸትን ምዕባለን ናይዚ ሃገር ብተወፋይነት ይሰርሑ ብምህላዎም፣ መዓልቲ ናጽነት ንመንእሰያት ኤርትራ ፍሉይ መቐረትን ትርጉምን ኣለዋ። ከምቲ መንእሰያት 60ታትን 70ታትን ዘሐብን ታሪኽ ሰሪሖም ናጽነትና ዘጐናጸፉና፣ ናይ ሎሚ መንእሰያት ከኣ ብውልቃዊ ረብሓታትን ዘብለጭልጩ እዋናዊ ነገራትን ከይተታለሉ፣ “ንሃገረይ

እንታይ ክገብረላ’የ እምበር እንታይ ክትገብረለይ’ያ” ከይበሉ ካብ ሃገሮም ግቡእ እምበር መሰል ወይ ጉንዖ ከይተጸበዩ… ዓቢ ዋጋ እናኸፈሉ ኣብ ዳግመ ህንጻ ይውፈዩ ኣለዉ። እዚ ሓቂ እዚ ካብ ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ክስወር ዘይክእል ናይ ትማል ታሪኽ ዘንጸባርቕ ሓቂ

እዩ።

በዚ ክቡር በዓል መበል 22 መዓልቲ ናጽነትና’ውን ነቶም ነዚ ራህዋ እዚ ከነስተንፍስ ዘብቕዑና ሰማእታትና ቅሰኑ እናበሉ፣ ነዚ ረዚን ዋጋ ማለት፣ መጠን ዘይብሉ ተወፋይነትን መስዋእትን ዝተኸፍሎ፣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንተሰጋገረ መለለዪና ኰይኑ ዝቕጽል ዘሎ ሃገራዊ ተወፋይነት ልዕሊ ዘለዎ ክቕጽልን ሕመረት ሰውራዊ ባህልናን ክብርታትናን ክኸውን ከም መንእሰይ ጸቒጠ አዘኻኽር።

ቢንያም ዓላዊ

ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ዝምልስ ብቕዓት ኣለኒ ኣይብልን እየ። በቲ ይኽእላ’የ ዝብላ ብዛዕባ ትርጉምን መልእኽትን ናጽነት ክገልጽ እንተኾይነ ኸኣ፣ ዋላ’ኳ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝተወለድኩ

መንእሰይ እንተኾንኩ መግዛእቲ ግና ክርኢ ኣይከኣልኩን። ምኽንያቱ፣ ኣብ ሜዳ ምውላደይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ፣ ነቲ ተጋዳላይ ዘሕልፎ ዝነበረ መሪር ህይወት ኣስተማቒረ ኣይብልን እየ። ኣብ ሳሕል ናጻ ነይረ፣ ናጻ ኮይነ ኸኣ ናጽነት ኣትየ። ስለዚ ኣነ ማዕረ እቶም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ተቖሪኖም ዝነበሩ መዛኖይ ንትርጉም ናጸነት ክበቕዕ ዝኽእል ቃላት የብለይን።

ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣብ ልዕሊ

ህዝብናን ኣብ ከተማታት ዝነበሩ መንእሰያትን ዝወርድ ዝነበረ ግፍዕታት ግና ብተደጋጋሚ ክሰምዖ ጸኒሐ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝተላለኹዎ ብርሃነ ዝብሃል ዓርኪ ኣለኒ። ካብ መዓልታት ሓደ ግዜ፣ ‘’ወተሃደራ ደርግ ምስ ብርክት ዝበሉ ደቂ ገዛውቱ (መንደፈራ) ተኣሲሩ ምንባሩ፣ ምስ ምምጻእ ናጽነት ድማ ከም ዝተፈትሐ እዩ ኣዕሊሉኒ። ነዚ መንእሰይ እዚ ትርጉም ናጽነቱ ኣዝዩ ተንካፍን ንዘልኣለም ክርሳዕ ዘይክእል ዝኽርን እዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ፣ ካብ ማሕዩር ናብ ምፍታሕ ዘብጽሓቶ እንኮ ፍትሓዊት ናጽነት ስለዝኾነት። ካብኡ ንላዕሊ’ውን እቶም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝነበሩ ተቓለስትን ስድራቤት ተቓለስትን ብዝዓዘዘ ኣብ ናጽነት ዘለዎም ኣመላኻኽታን መግለጽን ኣዝዩ ዓሚቚን ረቂቕን እዩ። ምኽንያቱ፣ ነዛ ናጽነት ኢልና እንሕበነላ ፍረ መስዋእቲ ንምምጽኣ ካብ መሪር ዝመረረ ኩነታት ሰጊሮም ክጭብጥዋ ስለዝኽኣሉ። ብቐንዱ ብዓይኒ ስድራ ስዉኣትን ደቂ ስውኣትን ብዓይኒ ንናጽነት ክብሉ ዝሰንከሉ፣ ምእንቲ ሃገር ክብላ ዕድመ ወሊድ ዝሓለፈን ደቀንስትዮና እንተርኢናዮ ኣዝዩ ረዚንን ክቡርን ኢልካ ኢኻ ክትሰግሮ እትግደድ። ብርግጽ ትርጉሙ ብዓይኒ እቶም ኣብ ምውሓስ ልኣላውነት ዝተሳተፉ፣ ኣብ ምውሓስ ሃገር ረዚን ሓላፍነት ዝተሰከሙ ናይ እዋን ናጽነት ህጻናት እንተዝግለጽ እውን ዝያዳ መልእኽቱን ትርጉሙን ጎሊሑ ምተራእየ።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነት ጥዑምን ምቑርን ኣይኮነን። ምኽንያቱ፣ እቶም ነቲ ህዝቢ ናጽነት ኣምጺእናልካ ኢሎም ዝንየቱ ወገናቱ፣ ከምቲ ቅድሚ ስልጣን ምሓዞም ዝኣትውሉ ዝነበሩ መብጽዓታት ስለዘይጸንዕን ብኸብዶም ስለዝሽየጡን። ሓንቲ ናጽነት ብዝጽዋዕ መግዛእቲ ዓቕላ ዝጸበባ ኣፍሪቃዊ ኣደ፣ “እዚ ናጽነት ዝባሃልሲ መዓስ ድዩ ዝውዳእ?’’ኢላ ከም ዝሓተተት ኣንቢበ ኣለኹ። ኣነ ድማ ካብዚ ሓደ ዓቢ ነገር ይርድኣኒ፣ ንሱ ኸኣ ንሕና ኣፍሪቃውያን ደኣ’ምበር ኣፍሪቃ ከም ዘይኮና እዩ። ናጽነትና ዋላ እኳ ሓጺር ዕድመ እንተሃለዋ፣ ንዓኣ ንምምጻእ ዝተሓተን ዝተኸፍለን ዋጋ ኣዝዩ ዓቢ እዩ።

ግዜ ምውሳዱ ድማ ንኤርትራውያን ሓደ ዓቢ ሓገዝ ኮይኑ እስማዓኒ። እዚ ኸኣ ካብ ስማዊ ናጽነት ኣፍሪቃ ክንእለ፣ ርእስኻ ምኽኣል ብዝብል ጭርሖ ክንግስግስን ኣኽኢሉና። ስለዚ ትርጉም ናጽነት ብኹሉ ነገሩ ርእስኻ ብምኽኣል፣ ምሉእ ናጽነት ምጉንጻፍ (ኣብ ኩሉ ዓውድታት) ጌረ ክርእዮ ምኸኣልኩ።

ስለዚ ነዚ ገዚፍ ዋጋ ተኸፊልዎ እንብሎ ዘለና ናጽነት፣ ልዕሊ ማንም ሃገር ትርጉሙ ዕዙዝን ዓሚቕን እዩ፣ ንዓና ንኤርትራውያን። ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ናይ’ቲ ሕሉፍ ዛንታ ወረስቲ ብምዃኖም ዝያዳ ኹሉ ኣብ ናጽነት ዘለዎም ትርጉም ዕዙዝ እዩ። ብመንጽር እቲ ዘለዎ ትርጉም ጎኑ ጎኑ መልእኽቱ’ውን ናጽነትና ከም ናጽነት ኣፍሪቃ ንኸይትኸውን ኣበርቲዕና ኣብ ምዕቃብ ሕሉፍ ታሪኽን ዘሎ ናጽነትን ልዑል ተራ ክንጻወት ከም ዘለና ንነብስና ክንነግራ ኣለና። ነዚ ኸኣ ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ብምጥማት ነቶም ኣብ ሰውራ ዝተሓልሙ ብሩሃት ራእይታት ኣብ ምትግባር ጻዕሪ ነፍስወከፍ መንእሰይ ምዃኑ እዩ። ብፍላይ ድማ ራእይ እቶም ሸዊት ዕድመኦም ከይመነዉ ንስለ ሃገር ሂወቶም ዝኸፈሉ ጀጋኑ ኤርትራ ሕድሮም ኣብ ምትግባር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ክንክእል ኣለና። ነዚ ሕድሪ ኣብ ምትግባር ገዚፍ ሓላፍነት እንስከም ከኣ እቶም ምሉእ ሓይሊ፣ ፍልጠትን ካልእን ዘለና መንእሰያት ኢና።

ሳምራዊት ሰመረኣብ

ናጽነት ማለት ሓርነት እዩ። ሓርነት ከኣ ካብ ባርነት ነጻ ምዃን እዩ። ሓርነት ኣብ ምርካብ ዘሎ ጥበባት ግና ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝተፈላለየ እዩ። ብመንጽር ዘለዎ ፍልልይ ከኣ ርዝነቱን ትርጉምን ካብ ናብ ሃገራት ክፈላለ ባህርያዊ እዩ። ወዲ ሰብ ብሂወት ንኽነብር እቶም ዘድልይዎ መሰረታውያን ነገራት መጽለሊ፣ ማይን መግብን እዮም። ልዕሊ ኩሉ ዝዓዘዘን ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ዝዓበየን ቀዳማይ ቦታ ዘለዎ፣ ህላወ ወዲ ሰብ ከረጋግጽ ዝኽእል ግና ናጽነት እዩ። ዝብላዕ ዝስተ ዋላ’ውን ዘብለጭልጭ ርሻን እንተሃለወ ብዘይ ናጽነት ትርጉሙ

ኣይርድኣካን እዩ። ናጽነት እንተልዩ ግና ንእትበልዖ ተሰተማቕሮ፣ ንእተጽልለሉ ሩፍ ትብለሉ ወዘተ. ስለዚ ናጽነት ንምግላጹ’ውን ክብድ ይብል እዩ። ብፍላይ ድማ ናጽነት ኤርትራ፣ ብዝኾነ መንገዲ ብቑዕ ገላጺ ክትረኽበሉ ምፍታን ሕልሙ እዩ። ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዘለዋ ሃገራት እንተርኢናየን ናጽነተን ብምጽወታ፣ ብኽልተኣዊ ሽርክነት ዝተጠበራ እየን። ኤርትራ ግና ብደም ቀያሕቲ መንእሰያታ እያ ናጽነታ ተጎናጺፋ፣ እሞ ኸኣ ብኣጽዋርን ዓቕሚ ሰብን ንዝሰልጠነ ሰራዊት ደርግን ኣማኸርቱን።

ምናልባት እዚ ካባይ ሓሊፉ እቲ ነቲ ቅያ ዝሰርሐ ተጋዳላይ’ውን ንምግላጹ የጸግሞ እዩ። ሓንቲ ሃገር ናጽነታ ከተውሕስ እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ክቡራት ደቃ ከፊላ እያ ተምጽኣ። እዚ ሓቂ እዚ ግና ኣብ ኤርትራዊ ጥራይ እዩ ተሰሪሑ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። ምኽንያቱ፣ ከም ፈላጾ ዝተበራረዩላ ሃገር ሓንቲ ኤርትራ ኮይና፣ ነቶም ኩሎም ቅልጽሞም ዘሕበጡ ፈላጾ ኣላሽ ዘበለት’ውን ንሳ እያ - ኤርትራ።

ስለዚ ናጽነት ማለት ኣብ ዓለም ናይ ምንባርካ ትርጉም ኣጉሊሑ ዘርኢ ዓቢ ጸጋ እዩ። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት እቲ ዝዓበየ ዝተኻየደ ጉዕዞ እንተሎ ንናጽነት ዝተኻየደ ጉዕዞ እዩ። ምኽንያቱ፣ ናጽነት ወዲ ሰብ ክጠልቦ ዝኽእል ነገራት ስለዝምጡ። ትርጉምን ሕቶን ናጽነት ክሳብ ክንድዚ ካብ ኮነ፣ ብፍላይ ንዓና ክሳብ ክንደይ ቀያሕትን ጸለምትን መንእሰያት ዝሰዋእናላ ሃገር ስለዝኾነት፣ ኣብ ትርጉማን ምዕቃባን ዘለና ሓላፍነት ኣዝዩ ረዚን እዩ።

Page 10: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 10

Page 11: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 11

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ግጥማት ንዋንጫ ናጽነት ሎሚ ክዛዘም እዩፈደረሽን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል ብምኽንያት መዓልቲ

ናጽነት ከካይዶ ዝጸንሐ ጸወታታት ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ብዝካየዱ ግጥማት ፍጻመ ክዛዝም ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ኣብቲ ናይ ፍጻመ ጸወታ፡ ገዛባንዳ ምስ ገጀረት ኣብ ግጥም ደቂ

ኣንስትዮ፥ ዓምበርበብ ድማ ምስ ሳዋ ኣብ ግጥም ደቂ ተባዕትዮ ንፍጻመ ክጠማጠማ እየን፣ እቲ ከም ወትሩ ኣብ ሜዳ ቦቾፊላ ዝካየድ ግጥማት ካብ ሰዓት 8:00 ቅድሚ ቐትሪ ጀሚሩ ክእንገድ እዩ፣ውድድር ዋንጫ ናጽነት ኣብ መንጎ ትሸዓተ ጋንታታት ደቂ

ተባዕትዮን ሓሙሽተ ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮን እዩ ተኻይዱ፣

ማራቶን ናጽነት 2013ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክ ኤርትራ

ጽባሕ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ውድድር ማራቶን ናጽነት፡ ህጣራ ሽልማት ኣዳልዩ ምህላዉ ኣፍሊጡ፣በዚ መሰረት፡ ኣብቲ ረፍዲ ን42

ኪሎሜተር ቀዲሙ ዝዛዘመ ኣትለት 15,000 ናቕፋ ክሽለም እዩ፣ ብተወሳኺ፡ ክብረ ወሰን ናይቲ ሃገራዊ ውድድር ዝሰበረ ኣትለት እውን ካልእ ተወሳኺ 15,000 ናቕፋ ጉንዖ ክሽለም እዩ፣ ውድድር ማራቶን ናጽነት ንመበል 15

ግዜኡ ዝካየድ ኮይኑ፡ ብዓበይቲ ጎደናታት ኣስመራ ድማ ክሓልፍ እዩ፣ ኣብቲ

ውድድር ድማ ከም ወትሩ ካብ ኩለን ዞባታትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ዝተዋጽኡ ኣትለታት ክሳተፍዎ እዮም፣ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተሳተፉ 42 ኣትለታት ንኣምን ተወልደ ካብ ዞባ ደቡብ ብ2 ሰዓትን 18 ደቒቕን 16 ካልኢትን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኢሳያስ ሃብተሚካኤል ካብ ደቡብን ግርማይ ፍስሃ ካብ ጋሽ ባርካን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም፣ ኣብቲ ውድድር ንኣምን ሓድሽ ሃገራዊ ክብረወሰን ምምዝጋቡ ይፍለጥ፣ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ፡

ኣብዚ ውድድር’ዚ ግዜ ንዘመሓይሹ

ኣትለታት ሞቕሽሽ ክህብ ምዃኑ ጽቡቕ ስጉምቲ እዩ፣ ብተመሳሳሊ እቲ ዝተደልየ ግዜ ክብጻሕ፡ ከም ዝሓለፈ እዋን ኣቀላጠፍቲ ኣትለታት (ፔስ ሜከርስ) ከሳትፍ እውን ሓደ ሓደ ኣትለታት ይጽውዑ፣ምስ ኣትለቲክስ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡

ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ዓመታዊ ብደረጃ ዓለም ኣብ ኩለን ኣባል ሃገራት ማሕበር ኣትለቲክስ ዓለም - ያፍ ንዝበዓል መዓልቲ ኣትለቲክስ ዓለም፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ዝኽሪ ውድድራት ከምዘካይድ ኣፍሊጡ፣

መደብ ጸወታሎሚላ’ሊጋ

ሰቪያ - ሪያል ሶሴዳድ 11፡00

ሰረ’ኣሳምፕዶርያ - ጁቬንቱስ 9:45

ጽባሕፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ቸልሲ - ኤቨርተን

ሊቨርፑል - ኪውፒኣር

ማን ሲቲ - ኖርዊች

ኒውካስል - ኣርሰናል

ሳውዝሃምፕተን - ስቶክ

ስዋንሲ - ፉልሃም

ቶተንሃም - ሳንደርላንድ

ዌስትብሮም - ማን ዩናይትድ

ዌስትሃም - ሪዲን

ዊጋን - ኣስቶን ቪላ

ኩሉ ጸወታታት ፕሪመር ሊግ

እንግሊዝ ሰዓት 6:00 ድሕሪ

ቐትሪ ክካየድ እዩ፣

ላ’ሊጋዲፖርቲቮ ላ’ኩሩኛ -

ኤስጳኞል 6:00

ሪያል ዛራጎዛ -

ኣትለቲክ ቢልባኦ 8:00

ባርሴሎና - ሪያል ቫላዶሊድ

10:00

ሰረ’ኣሮማ - ናፖሊ 9:45

ኢንተር - ኡዲነዝ 9:45

ሴና - ሚላን 9:45

ኣርሰናል፡ ካብ ሩኒ ንሳኖጎ

መሪጻእንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል፡ ነቲ

ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዘይማእመኦ ሩኒ ዝኾነ ጻውዒት ከምዘየካየደትሉን ከምዘይተካይደሉን ኣፍሊጣ፣ ብመንጽሩ፡ እታ ክለብ ንብቕዓት ወዲ 20 ዓመት ተጻዋታይ ክለብ ኣጕዚረ ያያ ሳኖጎ ተለልያ ምህላዋን ምስታ ክለብ ድማ ተደጋጋሚ ዝርርብ ተካይድ ምህላዋን ተኣሚና፣ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኣርሰን ቨንገር፡

“ሩኒ ንመሸጣ ከምዝተቐረበ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፣ እዚ ድማ ነቲ ተጻዋታይ ዝኾነ ጻውዒት ከምዘየካየድናሉን ከምዘይነካይደሉን ዘነጽር እዩ” ክብል ትማሊ ተዛሪቡ፣ እንተኾነ መራኸቢ ብዙሃን ዓዲ እንግሊዝ ግን፡ እቲ ፈረንሳዊ ኣሰልጣኒ ንሩኒ ዓይኑ ኣውዲቑሉ ምህላዉ የረድኣ፣ኣርሰናል ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ኣብ

ግጥም ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ብብዝሒ ሸቶታት ይመርሕ ንዘሎ ቫን ፐርሲ ናብ ማን ዩናይትድ ምሻጣ ይዝከር፣ በዚ ድማ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ተወሳኺ ሓይሊ ክትድልብ ከምእትደሊ ተንተንቲ የረጋግጹ፣ምስ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት

ፈረንሳ ዝጻወት ሳኖጎ ኣብ 11 ጸወታታት ሊግ 2 ፈረንሳ ትሸዓተ ሸቶታት ኣቑጺሩ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ንልቢ ቨንገር መሲጡ ምህላዉ ይሕበር፣ “ንምስግጋሩ ተቓሪብና ኣሎና - ኣይተፈጸመን ግን!” ክብል ቨንገር ነቲ መስርሕ ምስግጋር ይግለጽ፣ጽባሕ ኣርሰናል ምስ ኒውካስል ናይ

መወዳእታ ጸወታኣ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ናይዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ከተካይድ እያ፣ ኣብዚ ግጥም እተመዝግቦ ውጽኢት ድማ ንደረጃኣ ጸላዊ ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ - ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ናይ ምህላዋን ምብኳራን ሕቶ ስለዝምልስ፣ኣርሰናል ዋላኳ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ

እንተላ፡ ውጽኢት ናይታ ሓሙሻይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ ቶተንሃም ይጸልዋ እዩ፣ ናይ ለንደን ተቐናቓኒት ኣርሰናል ዝኾነት ቶተንሃም ኣብ ሜዳኣ ንሳንደርላንድ ከተአንግዳ እያ፣ እንተተዓዊታን ኣርሰናል ድማ ማዕረ ወይ እውን እንተተሳዒራን ኣርሰናል ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ህላውነታ ከብቅዕ እዩ፣ ኣርሰናል 70 ቶተንሃም ድማ 69 ነጥቢ

ኣዋህሊለን ኣለዋ፣

ሓጺር ዜና= ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዝኾነ

ምስ ዓሌታዊ ጸርፊ ምትእስሳር ዘለዎ ተጻዋታይ እንተወሓደ ሓሙሽተ ጸወታታት ከምዝቕጻዕን ካብ ዝመጽእ ዓመተስፖርት ጀሚሩ ድማ ግብራዊ ከምዝኸውንን ሓቢሩ፣

=ብተደጋጋሚ ኣደዳ ዓሌታዊ ጸርፊ ዝኾነ ኢጣልያዊ ማርዮ ባላቶሊ፡ ኣብ ግዜ ጸወታ (ንዝወረዶ ዓሌታዊ ጸርፊ ተቓዊሙ) ሜዳ ገዲፉ እንተዝወጽእ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ከምዝኽእል ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኢጣልያ ገሊጹ፣

= ያን ማታ ብሉጽ ተጻዋታይ ክለብ ቸልሲ ናይዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ተባሂሉ በታ ክለብ ከምዝተረቑሐ ተፈሊጡ፣ እቲ ወዲ 25 ዓመት ተጻዋታይ ኣብ ሸሞንተ ውድድራት ከምዝተሳተፈ፡ 19 ሸቶታት ድማ ምቑጻሩን ይግለጽ፣ ብተወሳኺ 28 ውዱኣት ኮዓሳሱ ንደቂ ጋንታኡ ኣቐቢሉ፣

= ንውድድር ዋንጫ ዓለም 2014 እተአንግድ ብራዚል፡ ኣብ መዳይ ጸጥታ ሮቦት ክትጥቀም ምዃና ኣፍሊጣ፣ እታ ሃገር ንገለ ካብቲ ሮቦታት ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝእንገድ ውድድር ኮንፈደረሽን ክጥትቀመሉ ወጢና ኣላ፣

ቤክሃም ጫማኡ ክሰቅል ወሲኑእንግሊዛዊ ተጻዋታይ ክለብ ፒኤስጂ - ዴቪድ ቤክሃም ኣብዚ ዓመተ

ስፖርት’ዚ ጫማኡ ክሰቅል ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ግጥም ሊግ ፈረንሳ 1 ዝጻወት ቤክሃም፡ ዕዉት ናይ ጸወታ ግዜ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ሪያል ማድሪድ፡ ኤል ኤ ጋላክሲን ኣሕሊፉ፣ንሱ ማልያአን ንዝወደለየን ክለባት እንተወሓደ ሓንሳብ ናይ ሊግ

ዓወት ከምዝዓትራ ከምዝገበረ ይፍለጥ፣ (ማን ዩናይትድ ሽዱሽተ ግዜ ተዓዋቲት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ፥ ላሊጋ ምስ ሪያልማድሪድ፥ ምስ ኤል ኤ ጋላክሲ ኣብ ግጥማት ኤምኤልኤስ፥ ምስ ፒኤስጂ ሊግ 1 ፈረንሳ) እንተኾነ ዘይ ከም ኣብ ክለቡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዝኾነ ዝጥቀስ ዓወት ከየመዝገበ እዩ ተፋንዩ፣

ንእንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ብምእላይ ንዓበይቲ ክብርታት ዘብቅዐ ስኮትላንዳዊ ኣሰልጣኒ ኣሌክስሳንደር ቻፕማን ፈርጉሰን ኣብዚ ጽባሕ ሰንበት መጋረጅኡ ዝዓጹ ውድድራት ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ ዓመተ ስፖርት 2012/13 ንመጨረሻ ጊዜ ንክለብ ማንቸስተር-ዩናይትድ ክኣሊ እዩ።እዚ ብብቕዓት መሪሕነቱ፡ ኣብ ጸለውቲ

ተጻወትቲ ብዝኽተሎ ሜላ ኣጸዋውታ ውጽኢቱ ዘጸበቐ ኣሰልጣኒ፡ ኣብ ግጥማት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ሓዲግዎ ዝኸደ ስምብራት ከመይ ይመስል? ምስ ክለባት ስኮትላንድ ዘሕለፎ ናይ ጸወታ ዘመን’ከ እንታይ ይመስል?

ፈርጉሰን ከም ተጻዋታይ

31 ታሕሳስ 1941 ካብ ኣብ ትካል ዕረያ መራኽብ ዝሰርሕ ኣሌክሳንደር ቢተን ፈርጉሰን ጎቫን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ክፋል ከተማ ግላስጎ ዝተወልደ ኣሌክሳንደር ቻፕማን ፈርጉሰን ኣብ ህጻንነቱ ደጋፊ ክለብ ሬንጀርስ ኮይኑ ምዕባዩ’ዩ ዝግለጽ። 16 ዓመት ድሕሪ ምምልኡ ከም ኣማተር

ኣብ ክለብ ኲንስ ፓርክ ጸወታ ኩዕሶ ዝጀመረ ፈርጉሰን ኣብቲ ‘ሕልሚ’ ክብል ዝገለጾ ከም ኣጥቃዓይ ዝተሰለፈሉ ፋልማይ ጸወታኡ ንክለብ ኲንስ ፓርክ ሸቶ ከመዝግበላ’ኳ እንተኸኣለ ኣብቲ ግጥም ጋንትኡ ብክለብ ስትራንረር ተሳዒራ’ያ ካብ ሜዳ ወጺኣ። ኣብ ፋልማይ ጸወታኡ ማራኺ ምንቅስቓስ

ከርኢ ዝኸኣለ መንእሰይ ፈርጉሰን፡ ክለብ ኲንስ ፓርክ ኣብ ሓድሽ ዓመት 1959 ኣንጻር ክለብ ኲን ኦፍ ሳውዝ (queen of south) ኣብ

ብሽልማት ዘጌጸ ኣሰልጣኒፈርጉሰንቀዳማይ ክፋል

ዘካየደቶን ብገፊሕ 7ብ1 ኣብ ዝተረትዓትሉ ግጥም ነታ እንኮ መምለሲ ገዛ ዝኾነታ ሸቶ ባዕሉ’ዩ ኣመዝጊቡዋ፣ ኣብቲ ግጥም ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዝነበረ ኢቮር ብሮዲስ ኣርባዕተ ብቕዓቱ ከርኢ እንተኸኣለ ሸቶታት ምምዝጋቡ ድማ ሰነዳት ናይቲ ግጥም ይሕብሩ።ኣሌክስ ፈርጉሰን ንክለብ ኲንስ ፓርክ ኣብ

ዘካየዶም 31 ግጥማት 20 ሸቶታት ብምምዝጋብ ብቕዓቱ ከርኢ እንተኸኣለ ብቐዋምነት ናይ ምስላፍ ዕድል ብዘይምርካቡ ኣብ 1960 ናብ ክለብ ሴንት-ጆንስተን ክቕይር’ዩ ተገዲዱ። ብኣሰልጠንቲ ሓዳስ ጋንታኡ’ውን ተመራጺ ኣጥቃዓይ ክኸውን ዘይከኣለ ፈርጉሰን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብሞያ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝሐሸ ደረጃ ንምብጻሕ ናብ ካናዳ ክስደድ ተደናዲኑ ምንባሩ ይግለጽ።እንተኾነ ክለብ ሴንት-ጆንስተን ኣብቲ ዓመት

ዝጥቀስ ኣጥቃዓይ ብዘይምፍራማ ንፈርጉሰን ከም ቀዋሚ ኣጥቃዓይ ኣብ ወሰንቲ ግጥማት ከተሰልፎ’ያ ተራእያ። ከም ውጽኢቱ እታ ጋንታ ኣንጻር ዓባይ ክለብ ሰልቲክ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ‘ሃትሪክ’ ክሰርሕ ብምኽኣሉ ኣቓልቦ ዓበይቲ ክለባት ክስሕብ በቕዐ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ክራማት ናብ ክለብ ዳንፈርሚየን ኣትሌቲክ ብምስግጋር ሞያ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ተተሓሓዞ።ክለብ ዳንፈርሚየን ኣትሌቲክ ኣብ ዓመተ

ስፖርት 1964-65 ብሸቶታት ፈርጉሰን ተሓጊዛ ኣብ ግጥማት ሊግ ስኮትላንድ በዳሂት ጋንታ ክትከውን ኣብ ርእሲ ምኽኣላ ናብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ስኮትላንድ ሓሊፋ ምንባራ ይግለጽ። ካብ ጸወታ ናብ ጸወታ ርኡይ ለውጢ ብምርኣይ ብቕዓቱ ከዕቢ ዝኸኣለ ኣሌክስ ፈርጉሰን ኣብ ዓመተ ስፖርት 1965-66 ካብ 51 ግጥማት 45 ሸቶታት ብምምዝጋብ ሽልማት ኮኾብ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሊግ ስኮትላንድ ( Scottish League) ክዓትር በቒዑ’ዩ። ማልያ’ታ ጋንታ ወድዩ ኣብ ዘካየዶም 89 ግጥማት 66 ሸቶታት ድሕሪ

ምምዝጋብ ድማ ብኣስታት 65 ሽሕ ፓውንድ ናብታ ምዕባለታቱ ብቐረባ እትከታተል ዝነበረ ዓባይ ክለብ ሰልቲክ ተሰጋገረ። ኣሌክስ ፈርጉሰን ምስ ክለብ ሰልቲክ ኣብ

ዝተጻወተሉ ክልተ ዓመታት 25 ሸቶታት ብምምዝጋብ ካብ ከም ኖቲንግሃም ፎረስት ዝኣመሰላ ህቡባት ክለባት እንግሊዝ ጻውዒት ክረክብ ክኢሉ’ኳ እንተነበረ ናይ ጸወታ ዘመኑ ምስ ክለባት ሃገሩ ክዛዝም ብምምራጹ ንክለብ ሰልቲክ ብምስንባት ኣብ 1969 ናብ ክለብ ፎልኪርክ ክጽንበር’ዩ ተራእዩ። ኣብታ ጋንታ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣስታት 95 ግጥማት ብልዑል ብቕዓት ብምጽዋትን ብስሙ 36 ሸቶታት ድሕሪ ምምዝጋብን ድማ ኣብ 1974 ካብ ወጸታ ኩዕሶ እግሪ ጠቕሊሉ ተሰናበተ። ፈርጉሰን ከም ተጻዋታይ ኣብ ዘሕለፎ መዋእል

ዋላ’ኳ ከምቲ ንልዕሊ 300 ናይ ሊግ ጸወታታት ምስ ዝተፈላለያ ክለባት ስኮትላንድ ብምጽዋት ብድምር 170 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ስሙ ዘዕበዮ ኣይወዳደር፡ ኣብ 1967 ምስ ሃገራዊቲ ጋንታ ስኮትላንድን ተሰሊፉ ኣብ ዘካየዶም ሸውዓተ ኣህጉራዊ ግጥማት ትሽዓተ ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ’ዩ።

ኣብ ናይ ጽባሕ ሕታም ይቕጽል

Page 12: 201350.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18052013.pdf · 2013. 5. 18. · ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 2 \\\\\ ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ saha@zena.gov.er

ሓዳስ ኤርትራ 18 ግንቦት 2013 - ገጽ 12

ሎሚ ቅነ ፈሳሕሳሕ’የ ክብለልኩም ቀንየ። ነዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ ኣዝየ’የ ዝፈትዋ። ምዃን ናተይ ሕልፍ ዝበለ ኮይኑ’ምበር ንግንቦት ዘይፈቱ ኤርትራዊ መዓስ ኣሎ። እንታይ ደኣ ረኺባ ኮይና ክንድዚ ፍትወት ንግንቦት ዶ ትብሉ ኣለኹም? በሉ ሓዙኒ። ኣብ ግንቦት፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበረ ህያብ’የ ተቐቢለ። ልቢ ከይገበርኩ ከለኹ ካብ በዓል ቸኮላታ፡ ካረሜላ ዝምቅር ዘሎ ኣይመስለንን’ዩ ነይሩ። ደሓር ግን ካብኡ ብተዓጻጻፊ ዝምቅር ከምዘሎ ፈሊጠ። ገሚትኩማ ዶ? እወ… ካብ ናጽነት ዝምቅር የለን። በቃ ኩሉ ድሕሪ ናጽነት’ዩ ዝስራዕ።

ንግንቦት ኣዝየ ዝፈተኽዋ’ምበኣር ናጽነት ኣብዛ ወርሒ ከምዝመጸት ምስ ፈለጥኩ’የ። ከይነገርክኹም ከኣ ጸኒሐ - ናጽነት’ዩ ስመይ። ባባየይ ኣብ ቅንያት ጽምብል 10ይ ዓመት መዓልቲ ናጽነትና

ስለዝተወልድኩ’ዩ ናጽነት ኢሉኒ። እዚ ባባስ ክነፍዕ፡ ንኹሎም መሓዙተይ እኮ’የ ብስመይ ዘቕንኦም። እሞ ኣብዚ ሳልስቲ ብስመይ ዝተላዕለ ዘረባ ዶ ከዕልለኩም?

ሩት ተስፋይ ከዕልለኩም ዶ?ኣነ፡ ጀማልን ሸዊትን ካብ

ትምህርቲ ተፈዲስና ንገዛና ንኸይድ ነበርና። ኣብ መገድና ንበዓል ናጽነት ዝገልጽ ፖስተራት ፈቐዶኡ ተጠቂዑ ንርኢ ነበርና። ጀማል- እውይ ናጽነትሲ

ተዓዊቱልኪ፡ ስምኪ ኣብ ኩሉ ተጻሒፉ ኣሎ። ናተይ ግን…።ሸዊት - እንታይ ኴንካ’ሞ

ናትናስ ጽቡቕ እንድዩ ግዲ።ጀማል - መን ዶ ናትና ጽቡቕ

ኣይኮነን ኢሉኪ’ዩ። ናትኪ ግን ትርጉም ኣለዎ። ኩሉ ሰብ’ዩ ከኣ ናጽነት ናጽነት ዝብል ዘሎ።ሸዊት - እዋእ……! በል

ከይተሕምመኒ። ትርጉም ዘይብሉ ስም ከ ኣሎ ድዩ? ኣንቲ ናጽነት ስምዕለይ እባ ናይ ናጽነት ስም ጥራይ እዩ ትርጉም ዘለዎ እኮ’ዩ ዝብለኒ ዘሎ።ሽዑ ኣነ ኩርዕርዕ ኢለ፡ ኖኖ…

ጀማል ናትኩም ስም ትርጉም የብሉን ማለቱ ኣይኮነን፡ ናተይ ስም ግን ዓቢ ትርጉም’ዩ ዘለዎ። ናይ ናጽነት ትርጉም እኮ ዓቢ’ዩ፣ ንሕና ጽቡቕ ጌርና ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና።ሸዊት - እዚ ቀሊል! ዘይከውን

እባ ኣይትዛረቢ።ጀማል- ሐራይ ትፈልጥዮ

እንተኾንኪ ንገርና።ሸዊት - ናጽነት በዓል’ዩ፣ ምሽ

ከማን ርሑስ በዓል ናጽነት ኢዩ ዝበሃል።ጀማል - ኣንቲ እንታይ ኢኺ

ትብሊ ዘለኺ? በዓል ምዃኑ ደኣ ንመን ይጠፍኦ። ትርጉሙ ከምኡ ማለት ጥራይ ኣይኮነን። ዘይትፈልጢ እንተኾንኪ ኣይፈልጥን’የ ዘይትብሊ።ሸዊት- ስቕ ኢልካ’ስከ

ኣይትሃድደና፡ ወይ ከኣ እቲ ንስኻ ትብሎ ንገረና ክንሰምዓካ።ጀማል - ሓቂ ንምዝራብ

ኣነ’ውን ኣይርድኣንን ኢዩ። በዓል ባባ ማማ ኢዮም ጽቡቕ ገይሮም ዝፈልጥዎ። ናጽነት ግን ትፈልጦ’ያ መስለኒ። ናጽነት ባዕልኺ ዘይትነግርና። ኣነ’ሞ ብስመይ ክካትዑ ከለዉ

መመሊሰ’የ ዝሕጎስ ነይረ።

እተን ባባ ዝነገረኒ ክነግረኩም እኽእል’የ። ግን ምእንቲ ትርጉም ናጽነት ጽቡቕ ጌርና ክንፈልጦ ብሓንሳብ ኬድና ንባባ ዘይንሓቶ ምስ በልክዎም ድማ ተተሓሒዝና ንገዛና።ባባ ካብ ስራሕ ተፈዲሱ ኣብ

ገዛ ጸኒሑና። ንምንታይ ከም ዝመጻእና ምስ ነገርናዮ ሕጉስ’ዩ ኢሉ። ንፉዓት’ዞም ደቀይ ከኣ ኢሉና። ሕጂ ባባ ንዘዕለለና ከም ዘለዎ ኢየ ከዕልለኩም። ግና ሕጂ ኣይኮንኩን፣ ዳሕራይ ምስ ተራኸብና’የ ዝነግረኩም።

ይቕጽል……

መልሲ ናይ

ዝሓለፈ ሕቶታት

መን ይነፍዕ

መን’የ ኣነ?ኩሉ’ዩ ዝሃርፈኒ። መቐረተይ

ጥዑም’ዩ። ግን ከኣ ኣይብላዕን’የ። ንዓይ ንምርካብን ንምሕላውን

ዝተኸፍለ ዋጋ መወዳድርቲ የብሉን። ዕለተ ልደተይ ንምኽባር ኩሉ’ዩ

ዝሸባሸብ።

መልሲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን 1. ጽላል

2. ደበና

1 2 3 2 4 5

3

4 6

7 5 8

6 9 7 10 8 11

14

13 15

12 9

13 14 16

ዝተመሳቐለ ቃላት

ንትኹል

1. ናጽነት ንምርካብ ዝተኸፍለ ዋጋ ኣዝዩ ____ ኢዩ። 2. ልኡላውነትና ንምርግጋጽ

ዘካየድናዮ መስርሕ ምርጫ 3. ዝኸበረት ህያብ ንህዝቢ

ኤርትራ4. ስም ብቛንቋ ትግርኛእትሕተም ጋዜጣና5. ናጽነት ቅድሚ ምርካብና፡

ብሰንኪ ግፍዒ ስርዓት ደርግ ብዙሕ ህዝቢ ዓዱ ገዲፉ _____6. ኒሕ (ብግምጣል)7 ኣብ ክረምቲ ዝፈሪ ምቁር

ፍረ 8. ሳዕሪ ብማዕጺድ ቆረጸ 9. ርእሰ ከተማ ዞባ ጋሽ-ባርካ10. መንነት ህዝቢ ኤርትራ11. ንድሩቓት ብኪሎ ንፈስስቲ

ከኣ ብ____ንዕቅኖም12. ውድብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም13. ብዝሒ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ

ዘሕለፍናየን ዓመታት(ብግምጣል)14. ባጽዕ ንምትሓዝ ዝተኻየደ

ስርሒት15. ኣብ ጽርግያ ኣጋር

ዝሰግረሉ ጻዕዳ ሕንጻጽ

ንጋድም

1. ናጽነትና _______2. ኣብ እዋን መግዛእቲ

ብዙሕ ህዝቢ ብኻራ _____3. ወያነ ኣብ ኤርትራ

ንምእታው ዘካየዶም ብዝሒ ወራራት (ብግምጣል)4. ናጽነትና ዘበሰረት ወርሒ5. ዕለተ ምጅማር

ብረታዊ ቃልስና __ መስከረም(ብግምጣል)6. ኣንጻር ዓሻ7. ርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ8. _____፡ ሎሚ፡ ጽባሕ9. ንዓ ናባይ _____10. ካብ ከብቲ ዝሕለብ

(ብግምጣል)12. ሰለስተ ፊደላት ካብ

ፊስቱላ13. ብኣተሓሳስብኡ ዝማዕበለ

ፍጡር14. ዝኸበረ ዕንቊ15. ሓሙሽተ ዝጎደሎ

ሓሙሽተ = ___16. _____ ናይ ኣቦኡ ሓዛ

ተዂሲ መሲልዎም