ማእከል - ገዳይምን ኣብነታውያንን መምህራን...

8
መበል 29 ዓመት ቁ.30 ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2019 ገጻት 8 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ማእከል - ገዳይምን ኣብነታውያንን መምህራን ተሸሊሞም ገጽ 2 ገጽ 3 ገጽ 4 ገጽ 7 ገጽ 8 መዓልቲ መርዓና ፔንሰልቪንያ - 136 ሽሕ . . . ኣገረምቲ ሓቅታት ብምኽንያት 5 ጥቅምቲ ዓለማዊ መዓልቲ መምህራን፡ ኣብ ዞባ ማእከል - ንኡስ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝነጥፉ 110 ገዳይምን ኣብነታውያንን መምህራን፡ ናይ ዋንጫ፡ ሜዳልያ፡ ወረቐት ምስክርን ገንዘብን ሽልማት ተዓዲሎም። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ደጎል ሃብተስላሴ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምምህርና - እናመሃርካ እትመሃረሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀጻሊ ምርምርን መጽናዕትን እትጽመደሉ፡ ወለዶታት ዝዅስኵስ ክቡር ሞያ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ከይሰልከዩ ንዘምሃሩ ኣስታት 87 ገዳይምን 23 ኣብነታውያን መንእሰያትን ኣፍልጦን ሽልማትን ምሃብ፡ ንሓደስቲ መምህራን ዘተባብዕ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ምምህርና ብዘይምቊራጽ ብዝዛሪ ሩባን ጅር ደቂ-ሰብን ክምሰል ከምዝከኣል ዝጠቐሰ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር መምሃራን ጨንፈር ዞባ ማእከል መምህር ኣፈወርቂ ገብረእግዝኣብሄር ብወገኑ፡ ማሕበር -ንዕብየትን ምዕባለን ትምህርቲ፡ ኣብነታውያን መምህራን ንኽፈርዩ ዝገብሮ ኣበርክቶ ቀጻሊ ከምዝኾነ ኣነጺሩ። ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር ድማ፡ ትምህርቲ ብዓይነት ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎብምግላጽ፡ነባራትንኣብነታውያንን መምህራን ነቶም ልዕሊ 60 ሚእታዊት መንእሰያት ዝኾኑ መምህራን ተመኵሮ ከቕስምዎምን ብኣብነት ክመርሑዎምን ኣዘኻኺሩ። ሃ.ማ. ሓ. ስ. ኲ. ኤ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ገስጋስ መደባት ማሕበር ዘትዩ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ማእከል፡ ኣብ ገስጋስ ንጥፈታት ማሕበርን መጻኢ መደባትን ዝዘተየ ርክብ፡ ብ5 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ኣቃኒዑ። ኣብ’ቲ ኣባላት ማሕበር ዝተሳተፉዎ ኣኼባ፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ ጽማቚ ጸብጻብ ንጥፈታት ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ 4ይ ጉባኤ ንዘተ ኣብ ዝቐርብ ንድፊ ቅዋም ዘተ ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ማሕበር ኣብ ዝሓለፉ 13 ዓመታት ሓያሎ ብድሆታት’ኳ እንተሰገረ፡ ብደገፍ መንግስቲ፡ ሕብረተሰብን ምትሕብባር መሻርኽቲ ኣካላትን ዓበይቲ ንጥፈታት ከምዘሰላሰለ በሪሁ። ማሕበር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ጉባኤ ከየካየደ ነዊሕ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባኤ ኣቶ ብርሃነ ዘርአ፡ በቲ ተደሊቡ ዘሎ ተመኵሮ ኣብ ቅዋም ማሕበር ምምሕያሽ ተገይሩ፡ እቲ ንድፊ ንኽጸድቕ ናብ ባይቶ ከምዝቐርብ ሓቢሩ። 4ይ ጉባኤ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ዝመጽእ 25ን 26ን ጥቅምቲ ክካየድ’ዩ። ዓዲ-ቐይሕ - 442 ዜጋታት መብጣሕቲ ዓይኒ ተገይሩሎም ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ጉጅለ ሓካይም ‘ኣልበሰር’ ብምትሕብባር፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ጸሮና፡ ማይ-ዓይኒ፡ ሰንዓፈን ዓዲ-ቐይሕን ንዝመጹ 442 ዜጋታት፡ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ዕዉት መብጣሕቲ ዓይኒ ኣካዪዱ። ሓላፊ ሆስፒታል ዓዲ-ቐይሕ ዶክተር ባህበሎም ሚካኤል፡ ካብ 24 መስከረም ክሳብ 1 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ዜጋታት ንመርመራ ከምዝቐረቡ፡ ብዘይካ’ቶም መብጣሕቲ ዝተገብረሎም ድማ፡ 500 መነጸር ዝተረፉ ድማ መድሃኒት ከምእተዋህቦም ገሊጹ። ካብቶም መብጣሕቲ ሓበላን ዓጽሚ ዓይኒን ዝተገብረሎም - ሰለስተ ቈልዑ ኮይኖም፡ ካብ ህጻንነቶም ክልቲኡ ኣዒንቶም ሓበላ ዝነበሮ እዮም። ዳይረክተር ጉጅለ ሓካይም ኣልበስር ፕሮፌሰር መሓመድ-ኑር ሓሰን፡ ኣቐዲሙ ናይ መርመራን ቈጸራን ንጥፈታት ብጽፈት ተሳሊጡ ብምጽንሑ፡ ዕዉት መደብ ምንባሩ ገሊጹ። ነቲ ስራሕ ንምዕዛብ ዝመጸት ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑር-ሕሴን፡ ጠንቂ ዑረት ዝኾኑ ሕማማት ንምክልኻል ዕቱብ መደብ ይትግበር ከምዘሎ ሓቢራ። ኣብቲ ወፍሪ፡ 25 ሓካይም ‘ኣልበስር’ ዝርከብዎም 66 ሞያውያን ከም እተሳተፉ ተፈሊጡ። ሓበሬታ ካብ ባሕሪ ዝብገስ ዝናብ፡ ናብ ካልእ ቦታታት ሃገርና ናይ ምቕጻል ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ሓረስቶት - ዝኣኸለ ኣዝርእቶም ብኣጋ ዓጺዶም ወይ ጎኒኦም ክእክቡ ነዘኻኽር። ሚኒስትሪ ሕርሻ ስ/ 20 ዝበለጹ ኣሰልጠንቲ ቃለ- መሕተት ምስ . . . ስ/

Upload: others

Post on 03-Apr-2020

16 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

መበል 29 ዓመት ቁ.30 ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2019 ገጻት 8 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ማእከል - ገዳይምን ኣብነታውያንን መምህራን ተሸሊሞም

ገጽ 2 ገጽ 3 ገጽ 4 ገጽ 7 ገጽ 8

መዓልቲ መርዓና ፔንሰልቪንያ - 136 ሽሕ . . . ኣገረምቲ ሓቅታት

ብምኽንያት 5 ጥቅምቲ ዓለማዊ መዓልቲ መምህራን፡ ኣብ ዞባ ማእከል - ንኡስ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝነጥፉ 110 ገዳይምን ኣብነታውያንን መምህራን፡ ናይ ዋንጫ፡ ሜዳልያ፡ ወረቐት ምስክርን ገንዘብን ሽልማት ተዓዲሎም።ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብቲ

ንኡስ ዞባ መምህር ደጎል ሃብተስላሴ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምምህርና - እናመሃርካ እትመሃረሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀጻሊ ምርምርን መጽናዕትን እትጽመደሉ፡ ወለዶታት ዝዅስኵስ ክቡር ሞያ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ከይሰልከዩ ንዘምሃሩ ኣስታት 87 ገዳይምን 23 ኣብነታውያን መንእሰያትን ኣፍልጦን ሽልማትን ምሃብ፡ ንሓደስቲ መምህራን ዘተባብዕ ከምዝኾነ ሓቢሩ።ምምህርና ብዘይምቊራጽ ብዝዛሪ

ሩባን ጅር ደቂ-ሰብን ክምሰል ከምዝከኣል ዝጠቐሰ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር መምሃራን ጨንፈር ዞባ ማእከል መምህር ኣፈወርቂ ገብረእግዝኣብሄር ብወገኑ፡

ማሕበር -ንዕብየትን ምዕባለን ትምህርቲ፡ ኣብነታውያን መምህራን ንኽፈርዩ ዝገብሮ ኣበርክቶ ቀጻሊ ከምዝኾነ ኣነጺሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር ድማ፡ ትምህርቲ ብዓይነት ንምምሕያሽ ዝካየድ

ዘሎ ጻዕሪ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ነባራትን ኣብነታውያንን መምህራን ነቶም ልዕሊ 60 ሚእታዊት

መንእሰያት ዝኾኑ መምህራን ተመኵሮ ከቕስምዎምን ብኣብነት ክመርሑዎምን ኣዘኻኺሩ።

ሃ.ማ. ሓ. ስ. ኲ. ኤ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ገስጋስ መደባት ማሕበር ዘትዩ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን

ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ማእከል፡ ኣብ ገስጋስ ንጥፈታት ማሕበርን መጻኢ መደባትን ዝዘተየ ርክብ፡ ብ5 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ኣቃኒዑ።ኣብ’ቲ ኣባላት ማሕበር ዝተሳተፉዎ

ኣኼባ፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ ጽማቚ

ጸብጻብ ንጥፈታት ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ 4ይ ጉባኤ ንዘተ ኣብ ዝቐርብ ንድፊ ቅዋም ዘተ ተኻዪዱ።ኣብ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ማሕበር

ኣብ ዝሓለፉ 13 ዓመታት ሓያሎ ብድሆታት’ኳ እንተሰገረ፡ ብደገፍ

መንግስቲ፡ ሕብረተሰብን ምትሕብባር መሻርኽቲ ኣካላትን ዓበይቲ ንጥፈታት ከምዘሰላሰለ በሪሁ።ማሕበር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት

ጉባኤ ከየካየደ ነዊሕ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባኤ ኣቶ ብርሃነ ዘርአ፡ በቲ ተደሊቡ

ዘሎ ተመኵሮ ኣብ ቅዋም ማሕበር ምምሕያሽ ተገይሩ፡ እቲ ንድፊ ንኽጸድቕ ናብ ባይቶ ከምዝቐርብ ሓቢሩ።4ይ ጉባኤ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት

ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ዝመጽእ 25ን 26ን ጥቅምቲ ክካየድ’ዩ።

ዓዲ-ቐይሕ - 442 ዜጋታት መብጣሕቲ ዓይኒ ተገይሩሎምሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ጉጅለ ሓካይም

‘ኣልበሰር’ ብምትሕብባር፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ጸሮና፡ ማይ-ዓይኒ፡ ሰንዓፈን ዓዲ-ቐይሕን

ንዝመጹ 442 ዜጋታት፡ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ዕዉት መብጣሕቲ ዓይኒ ኣካዪዱ።ሓላፊ ሆስፒታል ዓዲ-ቐይሕ

ዶክተር ባህበሎም ሚካኤል፡ ካብ 24 መስከረም ክሳብ 1 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ዜጋታት ንመርመራ ከምዝቐረቡ፡ ብዘይካ’ቶም

መብጣሕቲ ዝተገብረሎም ድማ፡ 500 መነጸር ዝተረፉ ድማ መድሃኒት ከምእተዋህቦም ገሊጹ። ካብቶም መብጣሕቲ ሓበላን ዓጽሚ

ዓይኒን ዝተገብረሎም - ሰለስተ ቈልዑ ኮይኖም፡ ካብ ህጻንነቶም ክልቲኡ ኣዒንቶም ሓበላ ዝነበሮ እዮም።ዳይረክተር ጉጅለ ሓካይም

ኣልበስር ፕሮፌሰር መሓመድ-ኑር ሓሰን፡ ኣቐዲሙ ናይ መርመራን ቈጸራን ንጥፈታት ብጽፈት ተሳሊጡ ብምጽንሑ፡ ዕዉት መደብ ምንባሩ ገሊጹ።ነቲ ስራሕ ንምዕዛብ ዝመጸት

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑር-ሕሴን፡ ጠንቂ ዑረት ዝኾኑ ሕማማት ንምክልኻል ዕቱብ መደብ ይትግበር ከምዘሎ ሓቢራ። ኣብቲ ወፍሪ፡ 25 ሓካይም ‘ኣልበስር’

ዝርከብዎም 66 ሞያውያን ከም እተሳተፉ ተፈሊጡ።

ሓበሬታካብ ባሕሪ ዝብገስ ዝናብ፡ ናብ

ካልእ ቦታታት ሃገርና ናይ ምቕጻል ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ሓረስቶት - ዝኣኸለ ኣዝርእቶም ብኣጋ ዓጺዶም ወይ ጎኒኦም ክእክቡ ነዘኻኽር።

ሚኒስትሪ ሕርሻ

ስ/የውሃንስ

መብራህቱ

20 ዝበለጹ ኣሰልጠንቲ

ቃለ-መሕተት

ምስ . . .

ስ/ ክብሮም

ጸሃየ

ሓዳስ ኤርትራ 6 ጥቅምቲ 2019 - ገጽ 2መበል 29 ዓመት ቁ.30

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ሊድያ ስልጣንሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266 / 201820(2220)

ቦርድ ምስንዳእ ብርሃነ ምሕረትኣብዮሴፍ ሃይለማርያም

ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤልኤርምያስ ገብረልዑል

ሺሃብ ኣርኣያቍ.ስ 201820 (2214)

ፋክስ. 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 200454-07121322

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ሰማያዊት ሓይለኣብ ቤተልሄም ታደሰ

ትንሱእ ፍስሃየ ፍናን ሚኪኤለ

ሱራፌል ተስፋብሩኽ

ዳየሪዳየሪ 6

ጥቅምቲ

ሎሚ’የ ኩነታተይ ፈሊጠ፣ ሎሚ’የ ኣበይ ከም ዘለኹ ፈሊጠ፣ ሎሚ’የ ናብ ዉነይ ተመሊሰ። ገዛ - ስድራይ - ንገለ ሰሙናት ተፈልየዮም ቀንየ። ናይዚ ሰሙን ምፍላየይ ኣይኮንኩን ከዕልለኪ።

ኣደ ኣብ ዓራት ጎቦ ኰይና ኣላ። ኣነ ከኣ ቆዉ ኢለ እጥምታ ኣለኹ። ስድራይ ልዕሊ ኵሉ’የ ዘፍቅሮም። ካብ ብቈልዓይ ንስድራይ ኢለ ክነብር ደስ ይብለኒ ነይሩ። ህይወተይ ዕድመይ ንስድራይ ክህቦም ጸገም ኣይነበረንን። ሓደ ግዜ ጀምዓ ኰይና እናዕለልና እንከለና፡ ዕድመይ ምሉእ ንስድራይ ክህቦም ከም ዝደሊ ነገርክዎም። ስድራኡ ዝጸልእ ሰብ የለን። ኣብ ገለ እዋን ግን ንነብስኻ ኣብሊጽካ ትሓስበላ እዋን ኣሎ። ኵሎም ከኣ ነናቶም ትርጕም ሂቦሞ።

“ሓቅኻ ኣለኻ፡ ምስ ስድራኻ ዘሕለፍካዮ ህይወት ከቕርበካን ከርሕቐካን ይኽእል እዩ። ኣብ ቈልዓኻ እንከለኻ ብዛዕባ ስድራኻ እትሓስቦን፡ ምስ ዓበኻ እትሓስቦን ግን ይፈላለ እዩ። ሓደ መዓልቲ እዚ ሓሳብካ ኣይህሉን እዩ፡” ኢሉኒ ጀሚል። “እሞ ቈልዓ ኢኻ ትብሎ ዘለኻ፡” ኢሎም ኣናኺሶምና ነይሮም። ናብ ቍምነገር ከኣ ተመሊስና።

ምልእተ፡ “ንስኻ ንስድራኻ እንተዄንካ፡ ኣነ ደኣ እንታይ ይኹን?” ኢላትና ስሒቕና። ዋላ ናይ ልባ ትዛረብ ትንበር፡ ንምልእተ ዝኣምና የለን። ጀምዓና ምልእተ እንተሃልያ ብዘይ ሰሓቕን ባእስን ኣይትፈላለን እያ። ፍቕሪ ትኸዉን፣ ነገር ትኸዉን፣ ሽማግለ ትኸዉን። ዝሕባእ ሕርቃን የብልናን። ዝሓድር ቂም ከም ዘይህልወና ስለ ትገብር፡ ስቕታ ዝበዝሓ ዕላል እንተዀይና ንምልእተ ንናፍቓ። ቃንዛና፡ ሕርቃንና፡ ስሓቕና ካብ ልብና ተዉጻልና እያ። ሳላኣ ከኣ ክሳብ ሕጂ ብፍቕሪ ክነብር ክኢልና።

ልዕሊ ኵሎም ክትርደኣለይ፡ ስምዒተይ ክትፈልጦን ክትድግፈንን ዝተጸበኹዋ ሳራ’ያ። “ስቕ በል! ሓሳዊ፡” እናበለት

ዳየሪ

ምዝራብ ከሊኣትኒ። ኣብቲ ድምጻ ቍጠዐኣ ክርእዮ ኣይተሸገርኩን። “ኣታ ይሕሱ’ዩ ዘሎ፡” እናበለት ረቢሻትና። ብዘይካኣ ኣፉ መሊኡ ዝጸርፈኒ የብለይን። ኵሉ ሳዕ ህዱእ እየ። ከምኡ ምዃነይ ንጸርፊ ዝኸዉን ብኮ ከይፈጥር ይሕግዘኒ እዩ።

እቶም ዝተረፉ ከኣ ምስ “ሳይኮሎጂ” ኣተሓሒዞም ኣስተምህሮ ሂቦሙና። እቲ ዝበልዎ ኵሉ ቅኑዓት ነይሮም።

ሰለማዊ፡ ብዛዕባ ነብሰይ ንኸይሓስብ ዝሓጽረኒ ነገር ከም ዘለኒ ተንቲኑ።

ብርሃና፡ ከኣ ብዛዕባ ነብስኻ ምፍቃር ገሊጻትልና። ዝጸላእኩዎምዶ ጥዒመ፡ ፈትየዮም እየ። እቲ ዘምጽዎ ዕላል ናይ ጥዕና እዩ። ብገዛእ ምርጫይ ይነበር ከም ዘየለኹ ክርድኡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝሃቡኒ መብርሂ ግን ኣብ ዉሳነይ ክጸንዕ ከም ዘለኒ’ዩ ኣረጋጊጽለይ። ንሶም ንባዕሎም ክመኹሩኒ እንከለዉ ነቲ ናቶም ምርጫ’ዮም ዝነግሩኒ ነይሮም። እቲ እሶም ዝመርጽዎ ንዓይ የላልዩኒ ነይሮም ማለት’ዩ። ምርጫይ ከኽብሩለይ ከም ዝግብኦም ዝሓሰቡ ኣይመስለንን። እቲ ክኸዉን ዘለዎ፡ ባዕለይ ክገብሮ ከም ዘለኒ ብግልባጡ ኣረዲኦሙኒ’ዮም። ተሰማሚዐ።

“ተሰማሚዐ ኣለኹ፡” ኢለዮም።

“ኣበይናይ፡” ክብሉኒ ኣይተጸበኹን።

ኣብ ህይወተይ ከብልጾን ዘይከብልጾን ንዓይ ዝሕደግ ምርጫ እዩ። ሕጂ ኣደይ ክርእያ እንከለኹ እዚ ዕላልና ትመሊሱኒ። ኣደ ተሕልፎ መስገደል፣ ኣደ ትጻወሮ በደል መወዳእታ የብሉን። ካብ ኣደይ ዝተማህርኩዎ ብዙሕ እዩ። ህይወተይ’ዉን ኣደይ ከም ሞደለይ ኣቐሚጠ’የ ክመርሖ። ሕጂ ኣብ ሓሳብ ኣትያ ክርእያ እንከለኹ፡ ኣብ ሎሚ በጺሓ ትስነፍ ከይትህሉ ፈሪሐ። ናይ ቀደም ቃልስና ተመሊስና ክንዝክሮ እንከለና ኣዝዩ ይምቅረና’ዩ። ፍቕሪ ገዛና ኣደና’ያ። ህይወት ገዛና’ውን ኣደና’ያ። ኣብ ህይወተይ ከም ናይ ኣደይ ኒሕ እንተሃልዩኒ ካልእ ኣይደልን፣ ኣብ ህይወተይ ከም ናይ ኣደይ ፍቕሪ እንተሃልዩኒ ካልእ ኣይደልን። ዝመጸ እንተመጸ ኣይክሰዓርን እየ።

ሓላፍነት ስድራና ተሰኪማ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኰይና ንናብራ መኪታቶ።

“… ወላዲተይ ብህያዉ ፍቕሪ

መልኣኽ መሬት ልእኽቲ ፈጣሪ

ዕምቈት ልበይ ዉቅያኖስ ናይ ፍቕሪ

ተገባራትኪ ፍረ ለዋህ ባህሪ

ክንደይ ምስጢር ትሓቁፍ ከብድኺ

ክንደይ ምኽሪ ትልግስ ልሳንኪ

ክንደይ ጽንዓት ተዘንቱ ሽምጥኺ

ክንደይ ሓበን ተፍሪ ማህጸንኪ

ክንደይ ተስፋ ትዕድል ህይወትኪ

ክትህብኒ ፈጡሩ ንዓኺ…” ኣ.ኣ.

ኡፍ! ክብሎ ዝሓሰብኩ’ኳ ጠፊኢኒ። ይኣኽለና ዳየሪየይ።

“...ይናፍቕ ኣለኹ

እሓስብ ኣለኹ ብኣኹም

ክቡራትር ስድራይ

ከይትሽገሩ

ከየሕምቐኩም ናብራ

ከይህሉ ጸገም

ኣነ እንከለኹ ኣብዛ ዓለም...”

***

ከሰተ ተኽለዝጊ -ማይነፍሒ

05/02/2018

ክሓልም ሓሊመ

ማንም ዘይሓልሞ

ፈጹም ዘይተሓልመ።

ሕልሚ ብሕልሙ

ብሕልመይ ዝፈትሖ

እንክሓልም ሓሊመ

ሕድር ኢለዮ፡

***

ቴድሮስ ግደ (ወዲ-እምባየ)

/መስከረም 2019/

ሕልሚ ሕልመይ

ጆርናልብርሃን ንዓይነይ

19 መጋቢት 2017

ትሪምሪም ከበሮ ገና ኣየዕረፈን ዘሎ። ኣነ ከኣ ኣብ ዉሽጢ መጋረጃ መተረኣሰይ ሓቝፈ እጽሕፍ ኣለኹ። ንሱ ምስዉስዉ ይብል ኣሎ። ኣብታ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቃልኪዳን ክንኣቱ እንምሕላ ማሕላ፡ ክልተ ኣጀንዳ - ምስአን ሓዊሱ ዝምሕለን - ከም ዘለዋኒ ኣብተን ብፍቕሪ ተቘሪና ዝተጓዓዝናለን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ይነግሮ ነይረ እየ። ቅድሚ ናብ ቤተ ክርስትያን ምእታዉና “ቤቱ’የ!’ ኢሉኒ ናብ እዝነይ ቅርብ ኢሉ።

“ህ!” እብሎ ገጸይ ናብኡ መሊሰ።

“እተን ምስታ ቃል-ኪዳን ንኣትወላ መዓልቲ ካልእ ትምሕለን ክዉስኸካ እየ ኢልክኒ ኔርኪ’ሞ..” ዘረባኡ ኣየወዳእክዎን፡ ክንጥዉ ኣቢለዮ። ኣብ ክድሚ እዚ ኵሉ ሰብ ከመይ ገይረ ክስዕሞ እምበር፡ ስለ ዘዘከረኒስ ክቕንጥዎ ኣይምተገበኣንን። ኣብ መዓልቲ መርዓኻ እንታይ ክትሓስብ ትኽእል፣ እንድዒ። ምስታ ምቕንጣዉ ምሉእ ፍሽኽታ ስለ ዝሃብክዎ፡ ኣይሰንበደን።

“እሞ! ኣብ ማሕላና ከም ትዝክረን ቃል እተወለይ፡” ኢለዮ።

“እንሃለኹ’ንዶ ሕጂ ኣዘኪረኪ። ኣይርሰዖን እየ። ካባኺ ይፍለየኒ!” ማሕላ ድዩ ጸሎት ድንግርግር እናበለኒ እተን ኣጀንዳይ ነገርክዎ።

1. ድሕሪ መርዓና ዘላ ቀዳመይቲ ለይቲ ብዘይ ዝዀነ፡ ተሓቋቝፍና ጥራይ ሰላም ክንሓድር፣

2. ኣብ ዝዀነ ግዜ ብዘይ ፍቓደይ ብድሕረይ ዳየሪየይ ከፊቱ ከየንብብ፣ ዝብላ እየን።

እዛ ካልኣይቲ ሻቡ ርእሱ ብምንቕናቕ ተሰማምዒላ እዩ። እታ ቀዳመይቲ ግን ገሪማቶ ከም ዘላ ቀልጢፈ ቆብ ኣቢለ’ያ።

“እዉይ! ሳልሰይቲ ዝረሳዕክዋ፡ ቍ.3. ክሳብ እቲ ዝዀነ ዝኸዉን ብዛዕባ እዛ ቀዳመይቲ ጠለበይ ሕቶ ከይተልዕል፡” ኢለዮ ርስን ኢለ። ስሓቝ ምቍጽጻር ስኢኑ። ብዙሕ ሰብ ምስ ጠመተና ርእሰይ ኣድኒነ ትም ኢለ። ቍሩብ ከኣ ሓፊረ።

ኣነ ክሓፍር ዝጽበዮ ሰብ ዘይክህሉ ይኽእል እዩ። ትማሊን ሎሚን ተሓጕሰ’የ ዉዒለ። ኣብ መዓልቲ መርዓይ ዘይትሓጐስኩኸ መዓስ ክሕጐስ። ብሰንኪ ዋዕየይ ብዙሕ ተጸሪፈ፡ ተሓምየ፡ ናተይን ዘይናተይን ተዋሂበ እየ። ኣብ ገለ እዋን ምስ ገዛ ክሳብ ተባኢሰ ምስ ሓትነይ ዝቕኒ ኰይነ እየ። “ነዚኣ ደኣ መን ክምርዓዋ፡” ዝብል ዘረባ መዕበሲ ባዕለይ ገይረሉ። ነዚ ደጀን ሰብኣየይ እቲ ናተይ ሓቂ ክምርምረኒ ሽዱሽተ ወርሒ ወሲድሉ። ኣብዘን ኣዋርሕ ዋላ ሓንቲ ዝሓባእክሉ ኣይነበረን። ኣነ’ዉን ብምሉእ ልበይ ፈትየዮ ብምንባረይ፡ እንተታት ከየልዓልኩ ልበይ ቀሊዐ ሂበዮ። “ሳላ ግዜ በሊሕና ኢና፡” ይብሉ መሓዙተይ። ኣነ’ዉን ኣብተን ንራኸበለን እዋናት ብልቢ ከም ዘፍቀረኒ ርእየዮ እየ።

እታ ዝብህጋ መርዓን እቲ ዝበሃግክዎ ወዲን ረኺበ እንታይ ኰይነ ዘይሕጐስ። ኣጋምሸት ካብ ዳስና ክንወጽእ እንከለና፡ ዝነበረት ጓይላ ተኸይፈላ እየ። ሰላም መሓዛይ “ኣቲ ዝሕል በሊ፡” እናበለት ጦቕ ኣቢላትኒ። ዘይሕጐስከ ከም ድላየይ። “ዕጅብ’ኳ ኣይበላ፡” ከም ዝብላ ኣይጠፍኣንን። ነቲ ዝበሃግክዎን ዝደኸምክሉን መዓልቲ ሓጐሰይ ደኒነ ክሓልፎስ ምስ ምንታይ ክቝጸር ይኽእል። ምዃን በዓል ኣደይ ቀደም ክምርዓዋ እንከለዋ ባዕሎም ስለ ዘምጽኡለን ከይተሓጐሳ ይኸዳ ነይረን ይዀና። ደቂ ዓሰተ ክልተ ወይ ዓሰርተ ኣርባዕተ ገና ብቈልዓኣን ስለ ዝተመርዓዋ ከምዚ ናተን ዘይተሰማዓኒ፣ ካብ ገዛና እናወጻእኩ ዘይነባዕኩ እገርመን ይኸዉን። እናሳዕሳዕና እንከለና “ኣንቲ ኣኺልኪ’ኳ’ዩ ኣይትምለስን ኢኺ፣ ብኸዪባ፡” ኢልኒ ሰብኣየይ።

“እዉይ ምቍረይ፡ ንዓኻ ረኺበ እንታይ ኰይነ ኢለ ክነብዕ፡” ኢለዮ። ስሒቝ፣ ብዙሕ ኣይስሕቕን እዩ። ኣብዘን ንመርዓ ንሻባሸበለን ዝነበርና መዓልታት፡ ትማሊን ሎሚን ግን ሓጐሱ ርእየዮ።

መጽዩ በሊ! እዘን ሰለስተ ሕግታት ከተግብረን ድዩ? ጽባሕ ከዕልለኪ እየ። ድሓን ሕደሪ! እ...ም…ጳ!

ቤትኤል ተስፋይ

መዓልቲ መርዓና

ሓዳስ ኤርትራ 6 ጥቅምቲ 2019 - ገጽ 3መበል 29 ዓመት ቁ.30

ብዝን ብትንካ

ሳልማን ስራጅ

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ፔንሰልቪንያ ሓንቲ ተሳሒባ ትኸይድ ዝነበረት ዓረብያ ካብ መንገዲ ብምውጻኣ 136 ሽሕ እንቋቚሖ ኣብ ጽርግያ ተበቲኑ። እታ ተሳሓቢት ካብ መንገዲ ዝወጸት፡ ነታ ማኪና ዝመርሕ ዝነበረ 66 ዝዕድመኡ ሽማግለ ሰብኣይ ክቆጻጸራ ስለዘይከኣለ ምዃኑ ጋዜጣ ዘ-ሪፓብሊክ ሄራልድ ንፖሊስ ግዝኣት ፔንሰልቪንያ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ ጆዜፍ ማይልስ ዝተባህለ ሽማግለ፡

ነቲ እንቋቚሖ “ካርል ፋዉስ” ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ቦታ ሕርሻ - “ኤሊዛቢስታውን” ናብ ዝተባህለ ከባቢ’ዩ ዝወስዶ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ባህሊ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብታ ሃገር ንዝፈሪ ፊልምታት ንምምዋል (ንምትብባዕ) ናይ ውድድር መደብ ጀሚሩ። እቲ ብርሃን ዝብል ስም ዝተዋህቦ መደብ ሓደ ካብ ፕሮግራማት ራእይ 2030 ናይታ ሃገር ኰይኑ፡ ኣስታት 40 ሚልዮን ሪያል ስዑዲ ሽልማት ተዳልዩሉ ኣሎ። ዕላማ’ቲ መደብ ኣብ ዓውዲ ምስራሕ

ፊልም ተውህቦ ንዘለዎም ሰባት ብምሕጋዝ ፍርያት ፊልም ስዑዲ ዓረብ ንምዕባይን በቲ ዓውዲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝስልጥኑ ተመሃሮ ንምትብባዕን’ዩ። ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ዝደልዩ ግዱሳት፡ ክሳብ ዝመጽእ 29

ኣብ ቱርኪ ከተማ ኢስታምቡል ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ እታ ከተማ ኣብ ዝመጽእ እዋን ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥማ ተኽእሎ ከምዘሎ ተመራመርቲ ኣጠንቂቖም። እቲ ክልተ ግዜ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሓደገኛ ምዃኑ’ዮም እቶም ተመራመርቲ ዝገልጹ። ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ፡ ከተማ

ኢስታምቡል ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ክትጥቃዕ ከምእትኽእል ኣቐዲሞም ኢዮም ከጠንቅቑ ጸኒሖም። ፕረሲደንት ራጃብ ጠይብ ኦርዶጋን’ውን ብዛዕባ’ቲ ንኸተማ ኢስታምቡል ዘንጸላልዋ ዘሎ ሓደጋ ተኣሚኑ ነይሩ። ኣብ 1999 ካብ ከተማ ኢስታምቡል

ብሰንኪ’ቲ ዝተሰባበረ እንቋቚሖን ቁርጽራጽ ካርቶናትን፡ እቲ ጽርግያ ንምንቅስቓስ ኣሸጋሪ ኰይኑ ነይሩ። ንምጽራዩ ድማ 20 ሽሕ ጋሎን ማይ ከምዘድለየ፡ ኣወሃሃዲ ህጹጽ ኩነታት ናይቲ ከባቢ ገሊጹ።ጆዜፍ ማይልስ፡ እታ ተሳሓቢት ካብ

መንገዲ ከምዝወጸት ስለዘይተፈለጦ እቲ እንቋቚሖ እናወደቐ ንዝተወሰነ ርሕቀት’ዩ

ፔንሰልቪንያ - 136 ሽሕ እንቋቚሖ ኣብ ጽርግያ ይብተን

ተጓዒዙ። ብሰንኩ እቲ ጽርግያ ንገለ ሰዓታት ተዓጽዩ። ፖሊስ ግዝኣት ፔንሰልቪንያ ምውዳቕ ናይቲ እንቋቚሖ ግቡእ ጥንቃቐ ካብ ዘይምግባር ዝሰዓበ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ጉዳይ የጻሪዮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ንመጻኢ ልዑል ደሞዝ ዝኽፈሎም ዓይነት ሞያ እንታይ ኰን ይዀኑ?

ታሕሳስ ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ። ነቲ ዝቐርብ ፊልምታት እትግምግም ኮሚቴ ክትቀውም ከላ፡ ውጽኢቱ ድማ ዝመጽእ 20 ለካቲት 2020 ክንገር’ዩ።እቲ ውድድር ካብ ምጽሓፍ ስክሪፕት

ስዑዲ ዓረብ ፍርያት ፊልም ንምትብባዕ 40 ሚልዮን ሪያል ትስልዕ

ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 90 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣዝሚር፡ 7.6 ሬክተር ዓቐን ብዘለዎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተጠቒዓ ነይራ። ኣብቲ እዋን ድማ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ሂወቶም ከምዝስኣኑ ጸብጻባት ይገልጹ። ካብ ሽዑ ኣትሒዞም

ከተማ ኢስታምቡል፡ ብምንቅጥቃጥ መሬት ከይትዓኑ ተስግእ

ዋይት ሃውስ፡ ኣንጭዋ ንጋዜጠኛታት የሰምብድ

ኣብ ኣመሪካ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ጋዜጣዊ መግለጺ

እናተዋህበ እንከሎ ሓንቲ ኣንጭዋ ሃንደበት ካብ ቦሎፎን ብምውዳቕ ንተሳተፍቲ ኣሰምቢዳ። ኣብቲ ወከልቲ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ እታ ኣንጭዋ ኣብ ልዕሊ ሓደ ፒተር ኣሌክሳንደር ዝተባህለ ልኡኽ NBC እያ ወዲቓ። ብስምባደ ድማ ብዙሓት ከእውዩ ተሰሚዖም።

* ሰባት እንድሕር ትግምግም ኰይንካ ክተፍቅሮም ግዜ የብልካን።* ንሕና ውጽኢት ኣተሓሳስባና ኢና።* ኩሉ ግዜ ንስኻ ካብ ካልኦት ዝተፈለኻ ምዃንካ

ዘክር።* ቃልሲ እንተዘይሃሊዩ ዕብየት የለን።*ጸገም ኣብሊጽካ ንኽትሰርሕ ዕድል ዝህብ ኣጋጣሚ

ኢዩ።

ጥቕስታት ሎሚ

* ግዜኻ ውሱን ብምዃኑ ንኻልኦት መሲልካ ክትነብር ኣይትፈትን። ብናይ ካልኦት ሰባት ሓሳብ ድማ ኣይትቀየድ። (ስቲቭ ጆብስ)* ኣብ ሂወትካ እትውንኖ ነገር

እንድሕር ኣስተውዒልካ ኩሉ ግዜ ዝያዳ ክህልወካ ኢዩ። እንተደኣ ዘይብልካ ነገር ጠሚትካ ግን እኹል (ዕግበት) ኣይክህልወካን’ዩ። (ኦፕራ ዊንፍረይ)* መጻኢ፡ ነቶም ብጽባቕ ሕልሞም

ዝኣምኑ ሰባት’ዩ ዝግባእ። (ኢሎነር ሩዝቨልት)* ንገረኒ ክርስዕ፡ መሃረኒ ክዝክር፡

ኣሳትፈኒ ክመሃር። (ቢንጃሚን ፍራንክሊን)* ኣብ ዝጽልምተና ህሞት፡ ኣተኲርና

ብምስትውዓል ናይ ግድን ብርሃን ክንርኢ ይግባእ። (ኣሪስቶትል)* ኣብ ዓለም እቲ ጽቡቕን

ብሉጽን ነገር ክረአ ይኹን ክድህሰስ ስለዘይክእል ብልቢ ክስተማቐር ኣለዎ። (ሄለን ከለር)

መን እንታይ ኢሉ?

ጀሚሩ ክሳብ ናይ መወዳእታ ፍርያት ፊልም ዝዝርጋሕ ኣርባዕተ መድረኻት ዝሓልፍ’ዩ። እዚ ውድድር ኣብ ፍርያት ፊልም ስዑዲ ዓረብ ዝዓበየ ኰይኑ፡ በቲ መደብ 35 ዝብዝሖም

ሓጸርትን ነዋሕትን ፕሮጀክታት ፊልም ምወላ ክረኽቡ’ዮም። በቲ ዝርከብ ምወላ ድማ ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ክፈርዩ ትጽቢት ይግበር።

ወዲ-ሰብ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዝህሉ ዕድላት ስራሕ ወትሩ ምስ ሓሰበ’ዩ። ኣብዚ ምዕባለ ቴክኖሎጂ እናዛየደ ዝኸደሉ ዘሎ ናይ ውድድር መድረኽ፡ ንመጻኢ ዕድል ስራሕ ዝረክብን ልዑል ደሞዝ ዝኽፈልን

እቲ ዝተማህረን ምስክር ወረቐት ዘለዎን ክኸውን ድማ’ዩ ትጽቢት ዝግበር። ይኹን እምበር ንመጻኢ እቶም ጽቡቕ

ክፍሊት ዝህልዎም፡ እቶም ልዑል ምስክር ወረቐት ዘየድሊዮም ዓይነት ሞያታት ከምዝዀኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ የመልክት። ገለ ካብቶም ንመጻኢ ዝሓሸ ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ዓይነት ሞያ እምበኣር እዞም ዝስዕቡ’ዮም።1/ መካኒክ መሳርሒታት ሰንዓ ምስ ምዕባለ ኢንዳስትሪ ኣብ ምስናዕ

ዘገልግሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ንመጻኢ ብሰፊሑ ክግጠሙን ክፍትሑን ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ። ብምዃኑ ነዞም መሳርሒታት ዝገጥሙን ዝፈትሑን ሜካኒክ ኣብ መጻኢ ካብቶም ልዑል ደሞዝ ዝኽፈሉ ሰራሕተኛታት ክዀኑ’ዮም። 2/ ሰራሕተኛታት ህንጻኣብ መጻኢ ምስራሕ ኮንክሪት ዓበይቲ

ርሻናት፡ ህንጻታት ትሕቲ ምድሪን ጽርግያታትን ኣገደስቲ ፕሮጀክትታት ክዀኑ እዮም። ኣብዚ ሞያ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ኣድለይቲ ስለዝዀኑ ደሞዞም ኣዝዩ

ነዋሕቲ ህንጻታት ብምሕኳር ዝፍለጥ ፈረንሳዊ “ኣሊያን ሩበርት” ኣብ ጀርመን ኣብ ሓደ ህንጻ ብዘይፍቓድ ድሕሪ

ክልዕል’ዩ።3/ ሰራሕተኛታት መስመራት ማይ

(ድራውሊኮ)ምስ ምስፋሕ ኢንዱስትሪን ህንጻን

መስመራት ማይ፡ ጋዝን ካልኦት ፈሰስትን ክዝርጋሕ ግድን’ዩ። ስለዚ ነዞም መስመራት ዝዝርግሑን ዝጽግኑን ተደለይቲ ስለዝዀኑ፡ ደሞዞም ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ትጽቢት ይግበር።4/ ሰራሕተኛታት መሸጣ ኣብ መጻኢ ፍርያት ኢንዱስትሪን ሕርሻን

ስለዝዓቢ ነዞም ኣቚሑ ናብ ደለይቲ ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ዝሸጡ ሰራሕተኛታት ከድሊዩ’ዮም። እዚ ድማ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር’ዩ።5/ ቃለ መጠይቕ ዘግብሩ ሰራሕተኛታትምስ ምዕባይ ንጥፈታት ባንክን ፊናንሳዊ

ኣገልግሎትን፡ ብዓማዊል ዝቐርብ ናይ ልቓሕ ጠለባት ክውስኽ’ዩ። ብምዃኑ ምስቶም ልቓሕ ዝደልዩ ሰባት ርክባት ንምግባር - ቃለ መጠይቕ ዘግብሩ ሰራሕተኛታት ከድሊዩ’ዮም። ስለዚ ቃለ መጠይቕ ናይ ምክያድ ስራሕ ሓደ ካብቶም ተደለይትን ልዑል ደሞዝ ዝኽፈሎን ስራሓት ክኸውን ትጽቢት ኣሎ።6/ ኣካያዲ ስራሕ ኣገልግሎት መግቢ ኣብያተ መግቢ ወይ መግቢ ዘፍርያ

ትካላት ንጽፈት ስርሐን ዝሕግዝ ኣካያዲ ስለዘድልየን፡ ንመጻኢ ኣብ’ዚ ሞያ ዝሰርሑ ብዙሓት ሰባት ከድሊዩ’ዮም። ምኽንያቱ ዋና ንኹሉ ባዕሉ ክዓሞ ኣይክእልን’ዩ።7/ ኣሰልጣኒ ምውስዋስ ኣካላት ምስ ምብዛሕ ሕማማት ወዲ ሰብ ጥዕናኡ

ክሕሉ ኣገዳሲ ክኸውን’ዩ። ብፍላይ ምኽሳዕ ንጥዕና ኣሰካፊ እናዀነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ምውስዋስ ኣካላት ኣድላይ ብምዃኑ፡ ኣብዚ ሞያ ዝነጥፉ ኣሰልጠንቲ ተደለይትን ልዑል ዝኽፈሉን ክዀኑ እዮም።

ስፓይደር ማን ብዘይ ፍቓድ ህንጻ ብምድያቡ ይእሰር

ምድያቡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እቲ ሳሬት (ስፓይደር ማን) ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ሓዃራይ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ዝርከብ 153 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ህንጻ ንምድያብ 20 ደቒቕ’ዩ ወሲዱሉ። እቲ ህንጻ መንደቑ ቬትሮ ኰይኑ

ብቐሊሉ ዝድየብ ኣይኰነን። እንተዀነ “ስፓይደር ማን” ብዘለዎ ተሞክሮ ብዘይ ዝዀነ ጸገም’ዩ ደዪቡዎ። ካብቲ ህንጻ ምስ ወረደ ድማ ብኡ ንቡኡ ፖሊስ ተቐቢሎሞ። 57 ዝዕድመኡ “ኣሊያን ሩበርት”፡ ናብቲ ህንጻ ብዘይፍቓድ ብምድያቡ ብገንዘብ ክቕጻዕ ከምዝኽእል ፖሊስ ጀርመን ኣፍሊጡ።

ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ዘለዉ ተመራመርቲ፡ ንመጻኢ’ውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥም ከ ም ዝኽ እ ል ’ ዮ ም ዘጠንቅቑ። ብኣበሃህላ እቶም

ተመራመርቲ፡ እቲ ኣብ 1999 ዘጋጠመ ሓደጋ ንመጻኢ ከጋጥም ንዝኽእል ዝሓየለ

ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘመላኽት’ዩ። ነቲ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ዘድሊ ጥንቃቐን ምድላዋትን ክግበር እቶም ተመራመርቲ ጸዊዖም ኣለዉ።

ጋዜጠኛ ፒተር ኣሌክሳንደር ድሕር’ቲ ፍጻመ “ኣብ ዋይት ሃውስ ጋዜጣዊ

መግለጺ እናተኸታተልና ኣብ ርእሰና ኣንጭዋ ወዲቓ” ክብል ጸብጻብ ኣሕሊፉ። ኣብቲ ኣዳራሽ ዝጸንሑ ጋዜጠኛታት፡ ሰኣልትን ኣፍረይትን ከኣ ደድሕር’ቲ ኣንጭዋ ክጐዩ ተራእዮም። ብሰንኩ ድማ እቲ ኣጋጣሚ ናብ ረብሻን ጫውጫውን ከም እተቐየረ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ሓዳስ ኤርትራ 6 ጥቅምቲ 2019 - ገጽ 4መበል 29 ዓመት ቁ.30

መርሃዊ ገብረሚካኤል

ባህርያት ደቂ-ሰባት ሓደ ካብቲ ሓደ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ኩላትና እንግንዘቦ ሓቂ’ዩ። በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ድማ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን፡ ገለ ልኡማትን ደስ ዘየብል ጠባይ ዝውንኑን ክዀኑ እንከለዉ፡ ገለ ግና ብኣንጻር’ዚ ገራጫት፡ ብቐሊሉ ዝቝጥዑ ምስ ሰባት ክረዳድኡን ክሰማምዑን ዘይክእሉ ኮይኖም ንረኽቦም።እዚ ግን ከም ሓደ ኣዛራቢ ጉዳይ ክኸውን

ኣይክእልን’ዩ። እቲ ምንታይ፡ ኣብ ዝተፈልየ ቦታን ግዜን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈልየ ኩነት ስለ ዘጋጥምዩ። ስግንጢርነት ባህርያት ደቂ-ሰባት ኣልዒልካ ክትዛረብ ኣዝዩ ከቢድዩ። ምናልባት እቲ መስደመምን ዘይትጽበዮን ግብረ መልሶም ንክትሰምዖ ኣዝዩ ዘደንጹን ዘይትብህጎን ኮይኑ ክትረኽቦ ስለ እትኽእልዩ። ገለ’ውን ኣብ ዘይትጽበዮ ህሞት ሓሲብካዮን ገሚትካዮን ዘይትፈልጥ ድቦላ ሕቶ ከቕርቡልካ ተኽእሎ ኣሎ። ብእትህቦም ግብረ መልሲ’ውን ኣብ ትዕዝብቲ ገለ ሰባትን መዛረቢ ማዕከናት ዜናን ክትከውን ርሒብ ተኽእሎ ኣሎ። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ንምምላስ ግዜን ቦታን ወሳኒ ከምዝኸውን ንማንም ኣይስወሮን። ከም ኣብነት “ቅድሚ ምውላድካ ኣበየናይ ዓለም ትነብር ኔርካ” ተባሂልካ እንተ ትሕተትሲ እንታይ ኢልካ ምመለስካ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሓደ ኣፕቮተር ዶሚኒክ ዝተባህለ ፍሊፒንሳዊ፡ ሓንቲ ኣገዳሲት ግን ከኣ ኣገራሚት ሕቶ ክትቀርቦ ክኢላ ነይራ። እታ ሕቶ፡ “ክትመውት ሓንቲ ሰዓት ተሪፋትካ ኣላ ንበል። ኣብ’ዛ ሰዓት እዚኣ ክትርእዮ ኣዚኻ ትሃርፎን ትብህጎን እንታይ’ዩ እንተ ተባሃልካ እንታ’ዩ መልስኻ” ተባሂሉ። እዛ ሕቶ ምናልባት ቀላል መሲላ ክትረአ ትኽእል

ትኸውን። እንተ ደኣ ብግቡእ ኣስተውዒልና ክንርደኣ ፈቲንና ግና፡ ረዛንን ንምምላሳ እውን ክብድ ዝበለትን’ያ። እቲ ምንታይ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክንበጽሖም ዘይከኣልና ድልየታት ኮኑ ሕልምታት ብዙሓት ከም ዘለዉ ዘይክሓድ ሓቂ’ዩ። በዚ ድማ ነየኖት ገዲፍና ነየኖት ክንመርጽ ከም ዘለና ሓሳባት ክነሰላስል ብዙሕ ግዜ ክንወስድ ስለ እንኽእልዩ። እንተዀነ ግዳ፡ እቲ ዘለካ ግዜ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። መብዛሕቲና ነቶም ዓበይትን ኣራኽቦ ዝሰኣናሎምን ጉዳያት ኣብ መፈጸምትኦም ከነብጽሕ ብዘይ ምኽኣልና ንነብስና እናወቐስና፡ እዚባ እዚ፡ እናበልና ነገራት ምርቋሕ ምጀመርና ኔርና። ናይ ዶሚኒክ መልሲ ግና፡ ኣዝዩ ዝተፈልየን ዘገርምን’ዩ ኔሩ።“ኣብ ኣፈፌት ሞተይ፡ ንስድራይ ኮነ መቕርበይ

ፈጺመ ክርኢ ኣይደልን’የ። ምኽንያቱ ንዓይ ክመልሱ ዓቕምን ኣኻእሎን ክሳብ ዘይሃለዎም፡ ግዜኦም ንኸንቱ ከባኽኑ ኣይደልን’የ። ቃዚኖምን ሓዚኖምን እንከለዉ እንተደኣ ተፈልየ ወትሩ ከምኡ ኢሎም ዝነብሩ ኮይኑ ስለ ዝስምዓኒ’ዩ።ኣብ እዋን ሞተይ ንስድራይ፡ መቕርበይን

ቅድሚ ምማተይ. . .ኣገረምቲ ሓቅታት

*ጽምብላሊዕ ብእግራ ከም ተስተማቕር።*ምጹጹላይ ምስ ደቂ-ሰባት ዘመሳስሎ ባህሪ

እንተሎ፡ ንዝተደርበዩ ወይ ብወለዶም ናይ ዝተፈንፈኑ ውላድ ምጹጹላይ ብምርዓም ከም ውላዱ ገይሩ ከዕቢ ሓላፍነት ምውሳዱ’ዩ።*ሃሚንበድ እትብሃል ዑፍ ንድሕሪት

ክትበርር ከም እትኽእል።

ዛንታ ስእሊ

ፍቓድ መምርሒ ማኪና ንኸውጽእ ዝመሃር ዝነበረ ሰብ’ዩ፡፡ ኣብ መንገዲ ዓርኩ ይረኽቦ’ሞ ብዛዕባ ህሉው ኩነታትን ንጥፈታቶምን እሂን ምሂን እናተባህሉ ይተሓተቱ ነበሩ። ሻቡ ማኪና ንኽመርሕ ትምህርቲ ከም ዝጀመረ ዝሰምዐ መዘና፡ ኣብ ትምህርቲ ምምራሕ ማኪና ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበሮን። በዚ ከኣ ንዓርኩ፡ “ስማዕ እንዶ እታ ምዝዋር ማኪናስ ክኢልካያዶ” ክብል ስክፍታ ብዝተሓወሶ ስምዒት ሓተቶ። ተማሃራይ ድማ ኩሉ ክኢሉስ ድሮ’ኳ ኣብ ፈተና ናይ ቃል ከም ዝሓለፈ ሓበሮ፡ ቀጺሉ ናይ ከተማ’ውን ከምዝሓለፈ ምስ ነገሮ፡ ወዮ ኣፍልጦ ዘይነበሮ ዓርኩ “እዋእ ሕጂ ደኣ’ሞ ናይ ገጠር ጥራይ’ዩ ተሪፉካ በለኒ” ክብል መለሰሉ።

ንፍሽኽታ

ፈተውተይን ንኽሪኢ ዘብህገኒ ሃዋህው እንተ’ሎ ትልሚ ጉዕዞ ህይወቶም ንኸስምሩ፡ ንቕድሚት ኣብ ዘቋምቱሉ መድረኽ ምስ ዝበጽሑን፡ ብንብዓትን ብኩምራ ዕምባባታትን ዘይኮነስ ብፍሽኽታን ሞራልን ክፋነዉኒ ምስ ዝዕዘቦምን፡ ካብ’ቶም ዝያዳ ሓይልን ተስፋን ዘስንቑ ኣጋጣሚታት ብምዃኖም፡ ንኽርእዮ ባህታ ዝፈጥረለይ ክስተት እዩ።ኣብ ኣጋ ምማተይ፡ ዓለም ብዛዕባ ኣፈፌት ሞት

ምብጸሐይን ምማተይን ክትፈልጠለይ ኣይደልን። ዓለም ከም ሓደ ፈታዊኡ ዝሰኣነ ሰብ ዝስምዖ ስምዒታት ክስመዓ ኮነ ክትዝክረኒ ድሌተይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ንዓኣ ዝበቅዕ ኣገዳሲ ነገር ብዘይ ምብርካተይ ወትሩ እናወቐሰትኒ ትነብር ኮይኑ ስለ ዝስምዓኒ፡ ብሕቡእ ክፋኖ’የ ዝደሊ።ኣብ ናይ መወዳእታ ጻንሖት ሂወተይ፡ ሓንቲ

ሓያልን ሓድነታ ዝተረረን ዕውትቲ ዓለም ክርኢ ደስ ምበለኒ። ኣብ ምማተይ ኣድማስ ከም ወትሩ ዘየቋርጽ ቀጻልነት ክህልዎን፡ መጻኢ ወለዶ ድማ ሓረግ ትውልዱ ዘውሕሰሉን፡ ብሰላም ተሳንዩ ክነብረሉ ዝኽእል ሃዋህውን እንተዝርኢ ኣየወ ክንደይ ደስ ምበለኒ” ኢሉ ኔሩ። ሓቂ ክንዛረብ እንተዀይንና፡ መልሲ ዶሚኒክ

ኣብ ገለ ሸነኻቱ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ መሲሉ ክረአ ይኽእል’ዩ። ኩላትና ከም እንጽበዮ ኣብ ኣፈፌት ሞት ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሰ መቕርብና ተኣኪቡ፡ ኣብ ጎኒና ኰይኑ ተስፋ ብዘስንቑ ቃላት ከጸናንዓናን ከፋንወናን ኢና እንምነ፡ ምስ’ቲ ዝፋኖ ዘሎ ዝነበረካ ቂምታ ይቕረ ብምብህሃልን፡ ለበዋ ዝመሓላለፈላ ኩነት ብምዃናን ኣገዳስነታ ዕዙዝ’ዩ። የግዳስ ባህልን ልምድን ሕብረተ-ሰባት ሓደ ክኸውን ክሳብ ዘይከኣለ፡ መልስታት ዶሚኒክ ቅቡል ክኸውን ይኽእል’ዩ። እዛ ሕቶ እንተ ትቐርበልኩምከ እንታይ ምዀነ

መልስኹም።

ኣብ ሓደ ቤተ-ክርስቲያን ከም ዳይረክተር ሙዚቃ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ፖሊስ ንሓደ ጥርጡር ንምሓዝ፡ ብዙሕ ፈተነታት ኣካዪዶም ክዕወቱ ኣይከኣሉን። እዛ ስእሊ ድማ ተጠርጣሪ ኣብ ጽምው ዝበለ ቦታ

ምስ ዓርኩ እናተዛወረ እንከሎ፡ ፖሊስ ኣዳህሊሎም ብምሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እናእተዉዎም፡ ብምካኤል ረፈረትይ ዝተወስደት እያ። ከም’ዚ ትዕዘቡዋ ዘለኹም ፖሊስ ንዓርኪ’ዚ ጥርጡር ከይገደፉ እዮም ኣብ መሬት በጥ ኣቢሎም ክቕፍዱዋ ዝርኣዩ ዘለዉ። እዚ

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝውዕል ዘሎ፡ ትሑት መነባብሮ ዝነበሮ ዜጋ ኮይኑ፡ ብገንዘብ ተዓሲቡ ቅትለት ፈጺሙ ከይከውን ዝተጠርጠረ’ዩ። እቲ ዘገርም ግን፡ ፖሊስ ምስ ዓርኪ’ዚ ጥርጡር ኣብ ዝገበሮ መርመራ፡ መዓልታዊ ህያባት ሒዙላ ይመጽእ ከምዝነበረን ካብ ወለዱ ዝወረሶ ሃብቲ ከምዘለዎ ድሕሪ ምምላሳ፡ ኣብ ምትላል ተዋፊሩ ከምዝጸንሐ፡ ብቓላት ኣፍቃሪቱ ክኽሻሕ ምኽኣሉ’ዩ። ዘይሓሰብካዮ ምርካብ ኣይመርገም ኣይምርቓ ዝብሉዎስ ከም’ዚ ከይኮነ ኣይተርፍን!!!

ጥቕስታት* ካብ ኣብ ዓወት ኣብ ውድቀት ኢኻ ዝያዳ ትመሃር።* ውድቀት፡ መሳልል ዓወት’ያ።* ብዝሓለፉ ክስተታት ፈጺምካ ከተስተንትን ኣይትንበር። ክምለሱ ስለዘይክእሉ። ብዝመጽኡ’ውን

ፈጺምካ ኣይትጨነቕ። ከጋጥሙ’ውን ስለዘይክእሉ። ብዝተኻእለካ ኣብ ህሉው ንበር ንሂወትካ ኣብ ምምቃራን ምጽባቓን ከኣ ከይተሓለልካ ጸዓር።* እቶም ስቕ ኢሎም ዝርእዩ ፍጹም ኣይዕወቱን እዮም። ዕዉታት ከኣ ብኣንጻሩ ዓወት

ኣይቋርጹን።* እቶም ሓቀኛ ሃብታማት ዝብሃሉ፡ እቶም ብዘለዎም ሕጉሳትን ተመስገን በሃልትን እዮም።* ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታት ሂወትካ እተጣዕሰካ መዓልቲ ፈጺማ ክትህሉ የብላን። ምኽንያቱ

ጽብቕቲ መዓልቲ ሓጎስን ባህታን ከተግዝመካ እንከላ፡ እታ ሕማቕ መዓልቲ ከኣ ካብ’ታ ጽብቕቲ እትህበካ ሓጎስ ንላዕሊ፡ ተመክሮ ስለ እተቕስመካ።* ንተስፋ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምረጻ። ንዝዀነ ነገር ከኣ ክትክእሎ ኢኻ።*ኩሎም ኣብ ሂወት ዘጋጥሙ ኩነታት ግዝያውያን እዮም። ነገራት ጽቡቕ እንተደኣ ከይዶም

ተዘናገዓሎም። ኣጋጣሚ ምስ ዘይሰልጡ ግና፡ ኣይትጨነቕ ምኽንያቱ ሽግራት ንዘልኣለም ስለዘይነበሩ።* ከይዘከርካ ሃብ ከይረሳዕካ ተቐበል።

*ኦክቶፐስ ዝተባህለ እንስሳ-ባሕሪ ሰለስተ ልቢ ከምዘለዎ።*እቲ ዝጠንተወ ኣቡሳላማ (ኮንዶም) ኣብ

1640 ዓ.ም፡ ኣብ ጉድጓድ ዓይኒ ምድሪ ሓደ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ዝዀነ ግምቢ ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ካብ ቆርበት እንስሳታትን ዓሳን ከም ዝተሰርሐ።

ሓዳስ ኤርትራ 6 ጥቅምቲ 2019 - ገጽ 5መበል 29 ዓመት ቁ.30

=

=

ሓዳስ ኤርትራ 6 ጥቅምቲ 2019 - ገጽ 6መበል 29 ዓመት ቁ.30

124256

ሓዳስ ኤርትራ 6 ጥቅምቲ 2019 - ገጽ 7መበል 29 ዓመት ቁ.30

ተስፋልደት መብራህቱ

ናይ ስጳኛ መጽሄት ቲንክ ታንክ ናይዚ ግዜ 20 ዝበለጹ ኣሰልጠንቲ ኢላ ኣብ ጽሑፋ ኣውጺኣ ኣላ። እዛ መጽሄት ነዚ ደረጃ ዘወጻኣቶ ካብ ጋዜጠኛታትን ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባትን ድምጺ ብምእካብ ንተመኩሮ፡ ዝተዓወቱዎ ዋናጩ፡ መሪሕነት ናይዞም ኣሰልጠንቲ ኣብ ማእከል ሜዳን ካብ ሜዳ ወጻእን ዝተዓወቱዎ መጠን ጸወታታት ኣብ ግምት ብምእታው እያ ነዚ ደረጃ ኣውጺኣቶ ዘላ። በዚ መሰረት ካብ ብሉጻት ኣሰልጠንቲ መበል 20

ደረጃ ሒዙ ዝርከብ፡ ወዲ 57 ዓመት ኣርጀንቲናዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ጆርጅ ሳምፖሊ’ዩ፡፡ እዚ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኣብ ምስልጣን ዝርከብ ጆርጆ ሳምፖሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ናይ ቺለ ሊግ ንእትጻወት ክለብን ንስጳኛዊት ሰቭያን ዓሊሙ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ጆርጆ ሳምፖሊ ዋንጫ ኮፓ ኣመሪካን ሊግ ቺለን ከም ዝተዓወተሉ ኣይርሳዕን። ሳምፖሊ ብሓፈሻ 58.6% ዓወት ብምምዝጋብ’ዩ ኣብ መበል 20 ተርታ ተሰሪዑ ዘሎ።ኣብ መበል 19 ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ኣሰልጣኒ

ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ፈርናንዶ ሳንቶስ’ዩ፡፡ እዚ ንክለባት ፖርቶ፡ ፓናታንያኮስን በነፊካን ዝዓለመ ኣሰልጣኒ ንናይ ፖርቱጋልን ግሪኽን ሊጋት ክዕወተሉ ከሎ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ብምዃን ድማ ዋናጫ ኤውሮፓ ኣልዒሉ’ዩ። 50% ዓወት ብምምዝጋብ ድማ መበል 19 ደረጃ ሒዙ’ሎ።53.9% ዓወት ብምስናድ ኣብ መበል 18 ደረጃ

ዝርከብ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ዲደር ዴሻምፕ’ዩ፡፡ እዚ ንክለባት ሞናኮ፡ ጁቬንቱስን ማርሴን ዘሰልጠነ ፈረንሳዊ ጽዋእ ሊግ ኣ ፈረንሳን ዋንጫ ዓለምን ከምዝዓተረ ይፍለጥ።ኣብ መበል 17 ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ ፈረንሳዊ

ኣርሴን ቬንገ’ዩ፡፡ እዚ ንክለባት ኣርሰናልን ሞናኮን ዘሰልጠነ ቨንገር፣ ኣብ ፈረንሳ ዋንጫ ሊግ ኣ፡ ኣብ ፕሪመር ሊግ ከኣ ሰለስተ ናይ ፕሪመር ሊግ ወናጩ፡ ሸውዓተ ናይ ኤፍ ኤ ካፕ ዝርከቡዎም ዓወታት ብምምዝጋብ’ዩ 54.1% ዓወት ኣመዝጊቡ ኣብ መበል 17 ደረጃ ተቐሚጡ ዘሎ።ንክለባት ዊጋንን ኤቨርተንን ዓሊሙ ንዋንጫ ኤፍ

ኤ ካፕ ጥራይ ዝተዓወተ ብሓፈሻ ድማ 40.4% ዓወት ብምምዝጋብ ኣብ መበል 16 ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ኣስልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቤልጁም ሮቤርቶ ማርቲነዝ ኮይኑ ኣሎ።ኣብ መበል 15 ደረጃ ብሉጻት ኣሰልጠንቲ ዝተሰርዐ

ኣሰልጣኒ ክለብ ሞናኮ ዝነበረ ሌናርዶ ጃርዲም’ዩ፡፡ እዚ ኣሰልጣኒ ብዘይካ ንሞናኮ ንክለባት ብራጋ፡ ኦለምፒያኮስ ስፖርቲን ሊዝበንን’ውን ኣሰልጢኑ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። እዚ ኣሰልጣኒ ብፍላይ ኣብ ግሪኽ

ኣብ ዝነበረሉ፡ ብርክት ዝበለ ወናጩ ከም ዝዓተረ ኣይርሳዕን። ጃርዲም ብ52.5% ዓወት’ዩ ኣብ መበል 15 ተርታ ተሰሪዑ ዘሎ።ኣሰልጣኒ ጀርመናዊት ባየር ሙኒኽን ስጳኛዊት

ሪያል ማድሪድን ዝነበረ ወዲ 72 ዓመት ጀርመናዊ ዮብ ሄንክስ ሰለስተ ግዜ ዋንጫ ቡንደስ ሊጋ ክዓትር እንከሎ ክልተ ግዜ ከኣ ሻምፕዮን ክለባት ኤውሮጳ ክስመ ክኢሉ’ዩ። 51.6 % ዓወት ኣመዝጊቡ ድማ ኣብ መበል 14 ደረጃ ተስሪዑ ኣሎ፡፡ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ቲተ ኣብ

መበል 13 ተርታ’ዩ ተሰሪዑ ዘሎ። እዚ ኣሰልጣኒ ንክለባት ግረሚዮ፡ ኮረንቲያንስ ፓልሜራስን’ውን ከም ዘሰልጠነ ኣይርሳዕን። ቲተ ኣብ ናይ ምስልጣን ግዜኡ ዋንጫ ሰሪ ኣ ኢጣሊያ ዋንጫ ክለባት ዓለምን ጽዋእ ኮፓ ሱዳመሪካን ገለ ካብ ዝዓተሮም’ዮም። ቲተ ብ76.5% ዓወት’ዩ ኣብ መበል 13 ተርታ ተሰሪዑ ዘሎ።መበል 12 ድረጃ ዝሓዘ ወዲ 50 ዓመት ኣሰልጣኒ

ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ጆዋኪም ለው’ዩ፡፡ ንክለባት ቪኤፍቢ ስቱትጋርት፡ ፈነርባቸ፡ ኦስትሪያ ቨይን’ውን ዘሰልጠነ ጃኪም ሎው ዋንጫ ዲኤፍቢ ፖካል፡ ቡንደሊጋን ሊግ ኦስትሪያን ክዓትር ክኢሉ’ዩ። 56% ዓወት ብምምዝጋብ ከኣ ኣብ መበል 12 ተርታ ተሰሪዑ’ሎ።መበል 11 ደረጃ ሒዙ ዘሎ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል

ዘሎ የርገን ክሎፕ’ዩ። ክሎፕ ብሉጽ ኣሰልጣኒ ፊፋ 20-19 ከም ዝተሰምየ ይፍለጥ። እዚ ኣሰልጣኒ ንክለባት ማይንዝ 05፡ ብሩሽያ ዶርቱሞንድን ዘሰልጠነ ኮይኑ ክልተ ናይ ቡንደስ ሊጋ ሓንቲ ናይ ሻምፕዮንስ ሊግ ወናጩ ገለ ካብ ዝዓተሮም’ዮም። እዚ ንሊቨርፑል ናይ መጀመርያ ናይ ፕሪመር ሊግ ዋንጫ ከዕትራ ዝሕልን ዘሎ ክሎፕ 49.5% ዓወት ብምስናድ’ዩ ኣብ መበል 11 ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ።ወዲ 51 ዓመት ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ

ዝነበረ ጁለን ሎፕተግ ኣብ መበል ዓስራይ ደረጃ ብሉጻት ኣሰልጠንቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣሰልጣኒ’ዩ፡፡ እዚ ንክለባት ሪያል ማድሪድ፡ ሮያ ቮላክኖን ፖርቶን ዝዓለመ ኣሰልጣኒ፡ ዝኾነ ዋንጫ ከይዓተረ’ዩ ብ63.3% ዓወት ኣብ ዓስራይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ።ታሽዓይ ደረጃ ዝሓዘ ወዲ 53 ዓመት ኣሰልጣኒ

ክለብ ባርሴሎና ዘሎ ኢርኔስቶ ቫልቨርደ’ዩ። ቫልቨርደ ኣቐዲሙ’ውን ንክለባት ኣትለቲክ ቢልባው፡ ኦለምፒያኮስን ቫለንሽያን ዘሰልጠነ ኮይኑ ንግሪኽ ሱፐር ሊግ ሰለስተ ግዜ ተዓዊቱሉ ከም ዝፈልጥ ኣይርሳዕን። ንሱ ብ51.3% ዓወት’ዩ በዛ መጽሄት ታሽዓይ ዝበለጸ ኣሰልጣኒ ተባሂሉ ዘሎ።ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ

ጥርዚ ናይ ምስልጣን ብቕዓቱ ከም ዘየለ ዝንገረሉን ኣቐዲሙ ኸኣ ንክለባት እስፓኞልን ሳውሃምተንን

20 ዝበለጹ ኣሰልጠንቲ

ሓጸርቲ ዜናታት

ዝዓለመን ኣርጀንቲናዊ ኣሰልጣኒ ክለብ ቶተንሃም ማውሪስዮ ፖቸቲንዮ፡ ዝኾነ ጽዋእ ከይዓተረ ብ43.1 % ዓወት ኣብ 8ይ ደረጃ ተሰሪዑ’ሎ።ኣብ ሻውዓይ ደረጃ ዘሎ ኣሰልጣኒ ክለብ ኣርሰናል

ኡናይ ኤምረ’ዩ። ኤምረ ንክለባት ቫለንሽያ፡ ስፓርታ ሞስኮ፡ ሰቪያን፡ ፒኤስጂን’ውን ዓሊሙ ኔሩ’ዩ። ኡናይ ኢምረ ሰለስተ ግዜ ዋንጫ ዩሮፕያን ሊግ ከም ዝወሰደ ዝፍለጥ ኮይኑ ምስ ፒኤስጂ ኮይኑ’ውን ዕዉት ሊግ ኣ ፈረንሳ ኮይኑ ከም ዝነበረ ኣይርሳዕን። ኡናይ ኢምረ ብ52.9% ዓወት’ዩ ሻውዓይ ተርታ ሒዙ ዘሎ።ብዝያዳ ብዝህቦም ኣገረምቲ ርእይቶታትን ርእሰ

ተማማንነትን ዝልለ ፖርቱጋላዊ ኣሰልጣኒ ጆሴ ሞሪኖ ስሙ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ብሉጻት ኣሰልጠንቲ ኣስፊሩ ኣሎ፡፡ ሞሪኖ ንዓበይቲ ክለባት ፖርቶ፡ ቸልሲ፡ ኢንተርሚላን፡ ሪያል ማድሪድን ማንቸስተር ዩናይትድን ዝዓለመ ኮይኑ ዋንጫ ፕሪመር ሊግ፡ ኤፌ ኤ ካፕ፡ ሊግ ካፕ፡ ሰሪ ኣ፡ ዩሮፕያን ሊግ፡ ሻምፕዮንስ ሊግ፡ ኮፓ ኢጣሊያ፡ ላ ሊጋ ስጳኛን ኮፓ ደል ሬይን ገለ ካብ ዝዓተሮም’ዮም። 65.5% ዓወት ብምምዝጋብ ከኣ ኣብ ሻድሻይ ተርታ ተሰሪዑ’ሎ። ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ዝርከብ ኣሰልጣኒ ኣትለቲኮ

ማድሪድ ድያጎ ሲሞነ’ዩ። ሲሞነ ንክለባት ሪቨር ፕሌይት፡ ሳን ሎሬንዞን ሬይሲን ዘሰልጠነ ኮይኑ ዋንጫ ጋንታታት ቀዳማይ ዲቪዥን ኣርጀንቲና፡ ላ ሊጋ: ኮፓ ደል ሬይን ዩሮፕያን ሊግን ድማ ዓቲሩ ኔሩ። እዚ ኣሰልጣኒ ብ55.9% ዓወት’ዩ ሓሙሻይ ተርታ ሒዙ ዘሎ። ኣብዚ ግዜ ንኢንተር ሚላን ኣብ ምስልጣን

ዝርከብ ኣንቶንዮ ኮንተ’ዩ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ። ኮንተ ንክለባት ኣታላንታን ጁቬንቱስን ኣብ ዘሰልጥነሉ ዝነበረ ግዜ ሰለስተ ግዜ ጽዋእ ሰሪ ኣ ኢጣሊያ ክዓትር ከሎ፡ ምስ ቸልሲ ኮይኑ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ጽዋእ ፕሪመር ሊግ ከም ዝወሰደ ይፍለጥ። እዚ ኣሰልጣኒ ብ58.8% ዓወት’ዩ ራብዓይ ተርታ ሒዙ ዘሎ።ኣሰልጣኒ ክለብ ርያል ማድሪድ ፈረንሳዊ ዚነዲን

ዚዳን 3ይ ድረጃ ሒዙ ኣሎ። ዚዳን ማድሪድ ናይ መጀመርታ ክለቡ ክትከውን ከላ ንጽዋእ ላ ሊጋ ስጳኛ ሓንሳብ ንዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ከኣ ክልተ ናብ ከብሒ ሪያል ማድሪድ ብምግዓዝ ብ63.3% ዓወት ኣብ 3ይ ደረጃ ይርከብ።ኣብዚ ዝርዝር ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ንክለባት

ጁቬንቱስ፡ ሳሱሎ፡ ካሊያሪን ኤሲ ሚላንን ዘሰልጠነ’ዩ። እዚ ኣሰልጣኒ ኣርባዕተ ግዜ ዋንጫ ሰሪ ኣ ክዓትር ከሎ ሰለስተ ግዜ ኸኣ ዋንጫ ኮፓ ኢጣሊያ ወሲዱ። ብ51.8% ዓወት ከኣ ካልኣይ ዝበለጸ ኣሰልጣኒ ተባሂሉ’ሎ።ኣብዚ ብናይ ስጳኛ መጽሄት ቲንክ ታንክ ናይዚ

ግዜ’ዚ 20 ዝበለጹ ኣሰልጠንቲ ዝወጸ ጽሑፍ፡ ንቀዳማይ ደረጃ ብሉጽ ኣሰልጣኒ ዝብል ክብሪ ዝሓዘ ስጳኛዊ ኣሰልጣኒ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ፐፕ ጋርዲዮላ’ዩ፡፡ ጋርድዮላ ንክለባት ባርሰሎናን ባየር ሙኒኽን’ውን ከም ዘሰልጠነ ዝፍለጥ ኮይኑ ዋንጫ ፕሪመር ሊግ፡ ላ ሊጋ፡ ቡንደስሊጋ፡ ኮፓ ደልሬይን ሻምፕዮንስ ሊግን ከኣ ገለ ካብ ብሉጻት ዓወታቱ’ዮም። ጋርዲዮላ ብ72.1% ዓወት’ዩ ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ክኢሉ ዘሎ።

• ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፐፐ ጋርዲዮላ ናብዛ ጋንታ ካብ ዝመጽእ እቲ ዝበለጸ ዘፈረሞ ተጻዋታይ ጉንዶጋን ምዃኑ ሓቢሩ። ጋርዲዮላ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ልዕሊ ዲናሞ ዛግረብ 2ብ0 ድሕሪ ምዕዋቱ’ዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ።• ኣርሰናል ንኣከፋፍሊኣ ጀርመናዊ መሲት

ኦዚል ኣብ ናይ ጥሪ መስርሕ ምስግጋር ብልቓሕ ክትሰዶ ከም ትኽእል ደይሊ መይል ሓቢራ። ኣሰልጣኒ ኡናይ ኢምረ ካብ ዝመጽእ ዘይማእመኦ ዘሎ እዚ ጀርመናዊ፡ ኣብታ ጋንታ ዘለዎ ኣበርክቶ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከም ዘንቆልቆለ’ዩ ዝሕበር።• ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኦሊጎናር

ሾልሻየር ኣብ ጥሪ ኣብ ዝኽፈት መስርሕ ምስግጋር ተጻወትቲ 90 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዝሓትት ደይሊ ስታር ኣፍሊጣ። እዚ ኣሰልጣኒ ንተጻዋታይ ሊዮን ሙሳ ደምበለን ንናይ ኒውካስትል መንእሰይ ሲን ሎንግስታፍን ንምፍራም ኣንቂዱ ከም ዘሎ’ዩ ዝግለጽ።• ኣከፋፋሊ ዩናይትድ ፖል ፖግባ ናብ

ጁቬንቱስ ክምለስ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።ጁቬንቱስ’ውን ነዚ ተጻዋታያ-ነበር ናብ ቱሪን ክትመልሶ ትደሊ ከም ዘላ ይንገር።• ሪያል ማድሪድ ንተጻወትቲ ኣያክስ ዝኾኑ

ዶኒ ቫን ዲ ቢክ፡ ሃኪም ዘይችን ዳቪድ ኔረስን ኣብ ራዳራ ከም ዘእተወቶም ተገሊጹ። ኣርጀንቲናዊ

ተኸላኻላይ ሊሳንድሮ ማርቲነዝን ሜክሲካዊ ኢድሰን ኣልቫረዝን’ውን በዛ ጋንታ ይህደኑ ከም ዘለዉ ይሕበር’ዩ።• ናይ ቅድም ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ

ናይጀርያ ኣይዛክ ፕሮሚስ ኣብ መበል 31 ዓመት ዕድሚኡ ብሞት ተፈልዩ፡፡ ፕሮሚስ ምስታ ኣብ 2008 ኣብ ውድድር ፍጻመ ኦለምፒክ ብኣርጀንቲና ተረቲዓ 2ይ ድረጃ ብምሓዝ ተሸላሚት ብሩር መዳልያ ዝኾነት ጋንታ ናይጀርያ ሓለቓ ጋንታ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ እዛ ናይ ሕጂ ኣመሪካዊት ጋንታኡ፡ እዚ ተጽዋታይ ብረቡዕ ምሸት ከም ዝዓረፈ’ኳ እንተሓበረት ጠንቂ ኣማውታ’ኡ ግና ክትሕብር ፍቓደኛ ኣይኮነትን፡፡ ኣይዛክ ዝበዝሐ ናይ ኩዑሶ እግሪ ዘመኑ ኣብ ሃገረ ቱርኪ’ዩ ኣሕሊፉዎ፡፡• ኣብ መስመር ምክፍፋል ዝጻወቱ

እንግሊዛውያን ደለ ኣሊን ሊንጋርድን ካብታ ንመጻረዪ ግጥማት ኤውሮጳ 2020 ናብ ቸክ ሪፓብሊክን ቡልጋርያን እትገይሽ ሃገራዊት ጋንታ ቦኺሮም። ናይ ቸልሲ ተኸላኻላይ ፊካዮ ቶሞሪ ምስ ወዲ ጋንተኡ ኣጥቃዓይ ታሚ ኣብርሃም ኣብዛ ጋንታ ተጠርኒፎም ካብ ዘለዉ እንግሊዛውያን ተጻወትቲ’ዮም። ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ምስ ቸክ ሪፓብሊክ 11 ጥቅምቲ ኣንጻር ቡልጋርያ ድማ 14 ጥቅምቲ’ያ ክትጋጠም መደብ ተታሒዙላ ዘሎ።

ሓዳስ ኤርትራ 6 ጥቅምቲ 2019 - ገጽ 8መበል 29 ዓመት ቁ.30

ተረኛ ፋርማሲ ጎደና ቁ.ስልኪዕለት

ፋርማሲ ቁ.1 መዓልታውን ለይታውን ኣገልግሎት ትህብ ቁ.ቴሌፎን 127565

071577080715344807147264

6/10/20196/10/20196/10/2019

ጎደና ኪልዓው ቁ.57 ኣኽርያ ከባቢ እንዳ ዓሊበኺትጎደና ባሕሪ ባራ 191 ቁ.ገዛ 8፡ ማይ ጭሆት ትሕቲ መስጊድ

ከባቢ ፊያት ታሌሮ ፊት ቶታል መዐደሊ ነዳዲ

ፋርማሲ ኣሸፋእፋርማሲሚለንዮምፋርማሲ በራኺ

ቃለ-መሕተት

ፈለማ ምስ’ዛ ንኡስ ዞባ ኣላልየና?ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ሓንቲ ካብተን 16 ንኡሳን

ዞባታት ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ እያ። ትሽዓተ ምምሕዳር ከባቢታትን 33 ዓድታትን ይርከባኣ። 5584 ስድራ-ቤታት፡ ብንጽል ድማ ልዕሊ 24 ሽሕ ነበርቲ ዘለዉዋ ንኡስ ዞባ እያ። ብምብራቕ ምስ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥን

ሃበሮን፡ ብሰሜን ምስ ንኡሳን ዞባታት ናቕፋን ኣዶብሓን፡ ብደቡብ ምስ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ብምዕራብ ከኣ 40 ኪሎ-ሜተር ዝርጋሐ ዘለዎ መሬት፡ ምስ ሃገረ-ሱዳን ትዳወብ። ከም ንኡስ ዞባ - ምስ ምቛም ዞባታት፡ ኣብ 1997 ዝተመስረተት እያ። ካብ’ቲ ማእከል ምምሕዳር፡ ሓፈሻዊ ርሕቀት

ናይተን ትሽዓተ ምምሕዳር ከባቢታት - ካብ 45 ክሳብ 171 ኪሎ-ሜተር ይበጽሕ።

ብዛዕባ ትካላት ኣገልግሎትን ማሕበራዊ ህይወት ናይ’ዚ ህዝቢን. . .?ዳርጋ 99 ሚእታዊት መነባብሮ ናይ’ዚ

ህዝቢ፡ ኣብ ጉስነት ዝተመርኮሰ እዩ። እዚ ማለት፡ ብቐረባ ምስ ባሕርን ቆላን እናተዓራረኸ ሰበኽ-ሳግማዊ ሂወት ዝመርሕ ህዝቢ እዩ። ብቐጥታ ሂወቱ ካብ ጥሪት ከየርሓቐ፡ ምስ ጉስነት የተኣሳስሮ። ጥሪቱ ማይን መግብን ናብ ዝረኽባሉ ቦታታት እናተንቀሳቐሰ ይነብር። ሓደ ሚእታዊት ጥራይ እዩ ኣብ ሸቐጥን ንግድን ዝዋፈር። ብሓፈሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ብዛዕባ ዘሎ

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክንዛረብ እንድሕር ኮይንና፡ ድሩት ዝርጋሐ እዩ ዘሎና። ከም ኣብነት ኣገልግሎት ጥዕና እንተወሲድና፡ ካብዘን ዝተጠቕሳ ትሽዓተ ምምሕዳር ከባቢታት፡ ኣብተን ሰለስተ - ማለት ኣብ ጣህራ፡ ህሩምን ርከብን (ዛራ) እየን ዘለዋ። ዝርካበን ከኣ ብዘይካ እታ ኣብ ርከብ ዘላ መደበር ጥዕና፡ እተን ክልተ ነቑጣታት ጥዕና ምዃነን እዩ። እዚአን እንተኾና እውን ግቡእ ትሕተ-ቅርጺ

ዘይተማልኣለንን ዘዐግብ ትሕዝቶ ዘይብለንን እየን። እተን ዝተረፋ ሽዱሽተ ምምሕዳር ከባቢታት፡ ብሕጂ እዩ ዝሕሰበለን ዘሎ። ብፍላይ ከም በዓል ምምሕዳር ሓምበግታ፡ ዴባሳታ፡ ባድል ሊጊተ፡ ሸሪጥ. . . ርሕቕ ዝበላ ከባቢታት ስለዝኾና፡ ምስ ዝምልከቶም ኣብ ምርድዳእ ኢና እንርከብ። ክሳብ 2020 ኣብ ዝህሉ ግዜ፡ ክልተ ኣገልግሎት ጥዕና ክህነጻ እዩ ከም መደብ ተታሓሒዙ ዘሎ። ንትምህርቲ ብዝምልከት ግን፡ ኣብ ድሓን

ኩነታት ኢና ዘሎና ክንብል ንኽእል። ኣብዚ ንኡስ ዞባ ብጠቕላላ 24 ትካላት ትምህርቲ ኣለዋ። ካብዘን 24 እተን ግቡእ ትሕተ ቅርጺ ዘለወንን ዝተማልኣለንን ግዳ፡ ዳርጋ ሰለሰተ ጥራይ ኢየን። እተን ዝተረፋ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዳሳት ዝምህራ ኢየን። ኣርባዕተ ዝኾና ከኣ፡ እቲ ልክዕ ናይ ትሕተ ቅርጺ ስራሕ ተማሊኡለን ንጡፍ ኣገልግሎት ምእንቲ ክህባ፡ ከም መደብ ተታሒዙ ክስርሓሉ ተዳልዩ ዘሎ እዩ። ካልኦት እውን በብመስርዐን በቲ ዝግባእ ተሰሪሐን ኣገልግሎተን ንኽህባ፡ ጻዕሪታት ክቕጽል እዩ። ብዛዕባ ተሳትፎ ተማሃሮ ኣብ መኣዲ

ትምህርቲ እንተኾይኑ ድማ፡ ክንዲ’ቲ ዝርጋሐን ብዝሕን ኣብያተ-ትምህርቲ ኣይኮነን እቲ ተሳትፎ። እዚ ድማ፡ ኣብዚ ከባቢ ርኡይ ዝኾነ ምኽንያትን ጸገምን ኣሎ። ድሩት ማሕበራዊ ኣገልግሎት - ብፍላይ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ጥዕና፡ መጐዓዝያ ስለዘሎና፡ ክንድ’ቲ ክንዕወተሉ ዝግብኣና ንኸይድ ኣሎና ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽልን። እዚ ከኣ፡ ሰበኽ ሳግማዊ ሂወት ዝመርሕ ከባቢ ብምዃኑ እዩ። ነዚ ንምፍዋስ፡ እቲ ዝመሃሩሉ ዳሳት ናብ

ምቹእ ዝኾነ ቤት-ትምህርቲ እናቐየርካ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝውሕዙ ምግባር እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ምስ መነባብሮኦምን ኩነታቶምን ዝጥዕምን ዝኸይድን ኵነት፡ ከም መደባት ዓሪዮት - መደባት ምጥፋእ መሃይምነትን ካልእን እናወሰኽካን እናፈጠርካን፡ ናብ መኣዲ ፍልጠት ምኽታቶም እዩ። ክሳብ ጥርኑፍ ሂወትን ጥዑይ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝዋደደሎም፡ ናይ ምጥርናፍ መስርሕን ካልእ ዝኣመሰለ መደባትን ብዝለዓለ ምቅላሱ እዩ።ኩነታት ዝስተ ማይ፡ መጐዓዝያ፡

መራኸቢታት፡ ኤለክትሪክ. . .?ዳርጋ ኣብ ምሉእ ንኡስ ዞባና፡ ጸገም

ዝስተ ማይ ኣሎ። ካብዘን ትሽዓተ ምምሕዳር ከባቢታት፡ ክልተ ጥራይ ኢየን ናይ ማይ ኣገልግሎት ትሕተ-ቅርጺ ተሰሪሑለን ዝርከብ። ነዚ ሽግር’ዚ ንምቅላል፡ ንሎሚ ዓመት ክልተ ከም ዝስርሓ መደብ ወጺኡ ኣሎ። ናብዚ ቦታ ክኢላታት ሃብቲ ማይ መጺኦም ብደቂቕ ብምጽናዕ፡ ኣብ ኣየናይ ከባቢ ከም

ዝስራሕ ባዕሎም ሒዝምዎ ኣለዉ። ንጽርግያታት ብዝምልከት፡ እዛ ንኡስ

ዞባና ሓውሲ ደሴት እያ ክብሃል ይከኣል። ብሰንኪ ጽርግያ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ክንጠቕሶም ዝጸናሕና ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝተሓረማ ንኡስ ዞባ’ያ ክብሃል እውን ዝከኣል እዩ። ብዓቢኡ እቲ ጉዳይ ናይ መንግስቲ ደኣ ይኹን እምበር፡ ነዚ ጸገም ንምቅላል ህዝቢ’ዚ ንኡስ ዞባ፡ ኣብ ዕለት 20 ወርሒ 3 ናይ’ዚ ዓመት፡ ሓደ ዋዕላ ኣካይዱ ነይሩ። ዕላማኡ - “ክሳብ’ቲ ናይ መንግስቲ ስጉምቲ ዝመጽኣና፡ ንሕናኸ ባዕልና እጃምና ዘይነበርክት” ዝብል እዩ። ልዕሊ 700 ሽሕ ገንዘብ ተዋጺኡ፡ 800

ጉልበት ሰብ ብምኽታት ድማ፡ ዳርጋ እተን ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝኾነ መራኸቢ ዝብሃል ዘይነበረን ሽዱሽተ ከባቢያዊ ዓድታት፡ ከም ዝራኸባ ተገይሩ። ናይ ጽርግያ ጸገም፡ ማዕረ ክንደይ ካብ ዝኾነ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ዝኣልየካን ከም ዝግልለካን ዘረድእ ኣብነት፡ ዓሚ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ፡ መንግስቲ ባዕሉ ብሄለኮፕተር ናብ ጣህራን ን20 ተማሃሮ ወረቓቕቶም ብምምጻእ፡ መርመራ ከም ዝካፈሉ ገይሩ። ጣህራን ካብ ሓውሲ ከተማ ርከብ ከባቢ 48 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ ቦታ እያ። ኣብ’ዚ ሓደ ዓቢ

ብድሆ ነይሩ። ብርግጽ፡ ኣብዚ ብነፋሪት ተሓጊዝካ

ዝተኻየደ መርመራ፡ ሓደ ዝረአየካ ነገር እንተሃልዩ፡ መንግስቲ ኣብ ህዝቡ ማዕረ ክንደይ ተገዳስነት ከምዘለዎ እዩ። ሎሚ ዓመት ግን፡ በዚ ህዝቢ ብተበግሶኡ ወሲዱዎ ዘሎ ግዝያዊ ፍታሕ፡ ብሄለኮፕተር ዘይኮነስ ብማካይን ከም ዝኽየድ ኮይኑ እዩ ተጣጢሑ ዘሎ። ስለ’ዚ መጐዓዝያ ንኹሉ ዝኣስር ወሳኒ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እዩ። ብሕጽር ዝበለ፡ ጽርግያ እንተዘይሃልዩ፡ ኩሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት የለዉን ማለት እዩ። ኣገልግሎት መራኸቢታት ከነልዕል

እንተኾይንና እውን፡ ዝሽፍኖ ቦታታት ድሩት እዩ። ብዛዕባ’ዚ፡ ዝምልከቶም ኣካላት

መጽናዕቲ ኣካይዶምሉ ስለዘለዉ፡ ንዓኦም ኢና ንጽበ ዘሎና። ናይ ኤለክትሪክ ጉዳይ ድማ፡ ካብ ከርከበት

ኢና እንጽበ ዘለና። እዚ ከኣ ብዓቢኡ ብመንግስቲ ተታሒዙ ዘሎ መደብን ፕሮጀክትን እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ ብኣኡ ንኽመጽኣና ኣብ ተስፋን ትጽቢትን ኣሎና። ህዝቢ ባዕሉ፡ ሽግራቱ ንምቅላል ብጀነረተራትን ካልእን እናገበረ ግዝያዊ ፍታሕ ይገብር ኣሎ። እዚ ግን፡ ንእሽቶ ጸገም ንምጉዳል ደኣ’ምበር፡ መሰረታዊ ፍታሕ ኣይኮነን። ኩነታት ሕርሻ እንተኾነ እውን፡ ከም’ዚ

ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ህዝቢ ሰልዓ 99 ሚእታዊት ብጉስነት ዝነብር ህዝቢ እዩ። ኣብ’ዚ ንጋደለሉ ዘሎና ቀንዲ ስራሕ ድማ ንሱ እዩ። እቲ ቀዳማይ መደብ ናይ መንግስቲ፡ ነዚ ህዝቢ’ዚ ካብ ጉስነት ናብ ንጥፈታት ሕርሻ ዝሰጋገረሉ መንገዲ ምፍጣር እዩ። ኣብ 2020 ዝትግበር፡ ብክፍሊ ሕርሻን መሬትን ሰለስተ ቀዳምነታት ዝሰርዐ መጽናዕትታት ኣሎ። ንሱ ከኣ፡ ንጥሪቶምን ሕርሻኦምን ዝኸውን ቦታ ተዋዲዱሎም ብኸመይ ሂወቶም ይመርሑ ኣብ ዝብል ዝሕቈፍ እዩ።-ተሳታፍነት ወይ ተራ ህዝቢ ኣብ ስራሓት

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከመይ ትገልጾ?

ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ኩሉ-መዳያት ክትርኢ እንከለኻ፡ ምስቲ ዘለዎም ሓፈሻዊ ኩነታት ጽቡቕ’ዩ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘሎኒ። ብፍላይ ኣብ ምሕጋዝ ጽጉማትን ስድራ ስዉኣትን፡ ነቲ ምድግጋፍ ከም ባህሊ ኣስሪጹዎ ዝጐዓዝ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ኣብ ካልእ’ውን፡ ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ፡ ማሕበራዊ ሽግራቶም ንምቅላል ኣሽሓት ገንዘብ ኣዋጺኦም ሽዱሽተ ዓድታት ንምርኻብ ዝወሰዱዎ ጽርግያ ናይ ምስራሕ ስጉምቲ ንኣብነት - ኣብዚ ክጥቀስ ይኽእል። ንሳቶም፡ ብቐጻሊ ዝብሉዎ ኣሎ።

“መንግስቲ ከም ዝመጽኣና ርዱእ ነገር እዩ። ክሳብ ዝመጽኣና ግን፡ ንሕና እጃምናን

ኣብርሃም ዘርአ (ወዲ-ሃለቃ)ስእሊ - ክብሮም ጸሃየ

ምስ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰልዓ ኣቶ ዊኤላ መሓመድ ዓሊ

ግቡእናን ከነበርክት ኣለና፣ ስቕ ክንብል የብልናን” እዮም ዝብሉ። ከም’ዚ ዝብል ተስፋን እምነትን ኣንቢሮም ዝጐዓዙ ጽኑዓት ህዝቢ ኢዮም። እዚ ንኡስ ዞባ፡ እንታይ ጸጋታት ወይ

ብልጫታት ኣለዎ ትብል?ኣነ እንታይ እብል ይመስለካ - ንኡስ

ዞባ ሰልዓ፡ ሓደ ካብ ደጀን ቦታታት ህዝባዊ ግንባር እዩ። ፍጹም ክርሳዕ ዘይብሉ ታሪኻዊ ቦታታት ኣለዎ። እዚ ማለት፡ ታሪኽ ናይ’ዚ ቦታ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ክንገድን ክብጻሕን ዘለዎ ደብሪ ጅግንነት እዩ። ከም በዓል ሩባ ዛራ፡ ሃምበግታ፡ ሃገር ንእሽ፡

ባድን፡ ጣህራ፡ ዴባሳታ፡ ኣዶብሓ፡ ሩባ ዓንሰባ. . . እዚ ኩሉ ደጀንን ሰፈርን ናይ ሰውራ ስለዝነበረ፡ ኣብ ምዕራፍ ጉዕዞ ታሪኽና ዓቢ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኢየ ዝኣምን። ብተወሳኺ፡ እዚ ቦታ’ዚ ብባህርያዊ ጸጋታት

- ብማዕድን ይኹን ብእንስሳታት በረኻ ሃብታም ዝኾነ ቦታ እዩ። ካልእ እዚ ዘለናዮ ቦታ ብቐጥታ ምስ ሃገረ ሱዳንን ባሕርን ዘዳውብን ዘራኽብን መስመር ስለዝኾነ፡ ከምቲ ሓሳብ መንግስቲ - ኣብ ቀጻሊ ናይ መሰመር ጽርግያ እንተደኣ ተገይሩሉ፡ ካብቲ ቀንዲ ብልጫ ናይ’ዚ ንኡስ ዞባ እዩ ኢለ ክጠቕሶ እኽእል። ቀንዲ ብድሆታት ናይ’ዚ ንኡስ ዞባ?ቀንዲ ጸገም ናይ’ዚ ቦታ ጽርግያታት

እዩ። ብምሉኡ ነዚ ክንጠቕሶ ዝጸንሓና ናይ ጥዕና፡ ማይ፡ ኤለክትሪክ፡ ሕርሻ፡ ትምህርቲ፡ ተለፎንን ካልእን ኣገልግሎታት ክትሰርሕን ክትፈትሕን እንተኾይንካ፡ መጀመርታ ጽርግያ ክህልወካ ኣለዎ። ስለ’ዚ፡ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ - ናይ ራሕቂ ዘይኮነስ፡ ናይ ጽርግያ ጸገም እዩ። ውሽጣዊ ጽርግያ፡ ዋላ ምስ ዶባት ንክንራኸብ እውን ኣሸጋሪ እዩ። እዚ ጸገም’ዚ እንተደኣ ተፈትሑ፡ ካልእ

ሽግር ኣሎ ኣይብልን ኢየ። ህዝብን መንግስትን ነዚ ዘሎ ጸገም ብሓባር እንተሰሪሖምሉ ድማ፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ብድሆታት ኮይኖም ኣይተርፉን ኢዮም። ኩሉ ተፈቲሑ ዓወትን ራህዋን ከም እንርኢ እተኣማመን ኢየ። ሕራይ ኣቶ ዊኤላ፡ ኣብ መወዳእታ

ክውሰኽ ኣለዎ እትብሎ?ንህዝቢ ንኡስ ዞባ ሰልዓ - ብፍላይ ኣብ

ትምህርቲ፡ ቀዳምነት ኣብተን ዘለዋና ኣብያተ-ትምህርቲ ደቅና ብዝግባእ ከነእትዎምን ከነምህሮምን ከምዘሎና ክላበዎም እደሊ። ኣብዚ ንኡስ ዞባ፡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክሳተፉ ዝግብኦም ልዕሊ 4000 ቆልዑ ኣለዉና። ሎሚ ዓመት ካብዚኦም፡ እቶም ልዕሊ

2700 ግድን ክኣትዉ ወሲናን - ሓበሬታ እውን ኣመሓላሊፍና ስለዘለና፡ ወለዲ ናይ ግድን ነዚኣቶም ናብ ትምህርቲ ክሰዱዎም፡ በዚ ኣጋጣሚ ደጊመ ከዘኻኽር እደሊ።